ሲቪል ሱዳናውያን ሓይልታት ኣብ ኣዲስ ኣበባ ይጋብኡ

2023-10-24 13:10:22 Written by  ቤት ጽሕፈት ዜና ሰዲህኤ Published in EPDP News Read 731 times

ሱዳናዊ ሲቪላዊ ግንባር ኣብ ኣዲስ ኣበባ ክጋብኡ መደብ ተጣሒዙ ከምዘሎ ሱዳን ትሪቡን/SUDAN TRIBUNE ሓቢራ። እዚ 24 ጥቅምቲ 2023 ዝካየድ ኣኼባ ኣብቲ ቅድም ተታሒዝሉ ዝነበረ ናይ 22 ጥቅምቲ 2023 መደብ  ዳግመ-ግምት ብምግባር ዝካየድ ምዃኑ እውን ተፈሊጡ።

እቲ ናይ ኣኼባ ዕለት ለውጢ ምግባር ዘድለየ፡ ብናይ ቅድም ቀዳማይ ሚኒስተር ሱዳን ዶ/ር ዓብደላ ሓምዶክ ዝቐረበ ናይ ይናዋሕ ሕቶ እዩ። ሓምዶክ ዕለት ኣኼባ ክናዋሕ ዝሓተትሉ ምኽንያት ከኣ፡ ምስቲ ብዓብደል ዓዚዝ ዝምራሕ ሱዳናዊ ህዝባዊ ምንቅስቓስን ምስቲ ብዓብደል ዋሂድ ኑር ዝምራሕ ምንቅስቓስ ሓርነት ሱዳንን ንምምኽካር ዘኽእል ግዜ ንምርካብ ምዃኑ ኣብቲ ጸብጻብ ተሓቢሩ።

ናይቲ ኣኼባ ኣዳለውቲ ካብ ዝኾኑ ሓደ ጠይብ ማልካብ እቲ ናይ ኣኼባ ዕለት  ምትዕርራይ በቶም ተሳተፍቲ ተቐባልነት ከም ዝረኸበ ጠቒሶም። ኣተሓሒዞም ድማ ኣሰናዳኢት ሽማግለ ብዶ/ር ሓምዶክ እናተመርሐት ናይቲ ኣኼባ ኣጀንዳን ናይ ኣፈጻጽማ ሕግታትን ከም ዘጽደቐት ኣፍሊጦም።

ሓደሓደ ተዓዘቲ’ኳ ኣብ ዝርዝር ተሳተፍቲ ናይቲ ኣኼባ ዘይምርድዳእ ነይሩ ዝብል ሓበሬታ ናብ ማዕከን ዜና ሱዳን ትሪቡን እንተቕረቡ፡ ኣጣይብ ማልካቢ ግና ጸገም ከምዘየለን “መን ይሳተፍ?” ኣብ ዝብል 5 መዓልታት ቅድሚ ዕለት ኣኼባ ከም ዝተሰማምዑን ገሊጾም። ካብቶም ክሳተፉ ትጽቢት ዝግበረሎም ዘይክሳተፉ ይኽእሉ እዮም ዝበሃሉ ካብ 2% ከምዘይበዝሑ ኣፍሊጦም። ካብቶም ተሳተፍቲ ተወከልቲ ሲቪላዊ ማሕበር ከባቢ 20%፡ ተወከልቲ ፖለቲካዊ ውድባትን ወተሃደራዊ ምንቅስቓስን ድማ  ካብ13 ባእታታት ከም ዘይበዝሑ ኣፍሊጦም።

Last modified on Tuesday, 24 October 2023 15:21