ኤርትራ ናብ ኣሃዱታቶም ዘይተመልሱ ወተሃደራት ትኣስር ኣላ ተባሂሉ

2023-10-23 10:46:22 Written by  ቤት ጽሕፈት ዜና ሰዲህኤ Published in EPDP News Read 803 times

ስርዓት ህግደፍ ኣብ ውግእ ትግራይ ድሕሪ ምስታፎም፡ ዕረፍቲ ተዋሂብዎም ኣብቲ ዝተባህልዎ ግዜ ናብ ኣሃዱታቶም ዘይተመልሱ ብዝብል ምስምስ ወተሃደራት 6 ኣዋርሕ ንክእሰሩ ከም ዝወሰነ ሬድዮ ኤረና ሓቢራ።

መብዛሕቶም ‘ቶም ዝተኣስሩ ኣባላት ሰራዊት፣ ናብ ኣሃዱታቶም ብዘይምምላሶም “‘ካብ ክድዓት ዘይፍለ’” ዝብል ክሲን ጸለመን ከምዝቐረቦም  እቲ ሓበሬታ ጠቒሱ። ከም ሓቂ ግና መብዛእቶም ካብቶም ግዳያት ብዘይኣላዩ ሓዲጎሞም ናብ ውግእ ትግራይ ዝኸዱ ቤተሰብን ንብረትን ንምእላይ፣ ከምኡ እውን ሕርሻን ጥሪትን ንምክትታልን ዝተገደዱ ምዃኖም ተፈሊጡ።

ውግእ ትግራይ  ይካየድ ኣብ  ዝነበረሉ እዋን፣ ብግፋን ካልእ ናይ ምግዳድ ኣገባብን፣ ኣዝዮም ብዕድመ ዝደፍኡ ኤርትራውያን ኣረጋውያን ከይተረፉ ተገዲዶም ከም ዝተወስዱ ዝዝከር እዩ። ኣጋጣሚ ረኺቦም ናብ ውግእ ዘይከተቱ ከኣ ኣባይቶም ይዕጾን ንብረቶም ይውረስን ከም ዝነበረ ዝፍለጥ እዩ።

እዚ ከምዚሉ እንከሎ፡ ቅድሚ ሓደ ዓመት ውዕል ሰላም ኣብ ደቡ ኣብፍሪቃ ኣብ መንጎ ፈደራል መንግስቲ ኢትዮጵያን ክልል ትግራይን ምኽታሙ፡  ብዙሓት ደቆም ናብ ትግራይ ምስ ከዱ ደሃይ ዘይገበርሎም ኤርትራውያን ስድራቤታት  መርድእ ክሰምዑ ብስግኣት ይጽበዩ ከም ዘለዉ ተሓቢሩ። ምስዚ ብዝተዛመደ ኣብ ክልል ትግራይ መርድእ ስዉኣት ብወግዒ ከም ዝተነግረን ናይ ሰለስተ መዓልታት ወግዓዊ ናይ ምጽንናዕ ተግባር ከም ዝተኻየደን ዝፍለጥ እዩ።

Last modified on Monday, 23 October 2023 12:53