ሱዳናውያን ኣብ ኣስመራ ናይ ስምምዕ እማመ ኣውጺኦም

2023-09-16 09:31:01 Written by  ቤት ጽሕፈት ዜና ሰዲህኤ Published in EPDP News Read 771 times

ኣብ ከተማ ኣስመራ “ሆቴል ኣስመራ ፓላስ” 8 መዓልታት ዝወሰደ ኣኼባ ዘካየዱ ሱዳናውያን ብ14 መስከረም 2023 ስምምዕ እማመ ከም ዘውጽኡ ዝተፈላለያ ማዕከናት ዜና ሓቢረን። ኣብ'ዚ ናይ ኣስመራ  ኣኼባ ዝሳተፉ ሱዳናውያን፡ ኑር ኣል'ዲን ጣሃ ንዲሞክራሲያዊ ቀጽሪ ሱዳናዉያን ዝወከለ፡ ኣማሓዳሪ ዞባ ዳርፉር ሚኒ ኣርኮ ሚናዊ፡ ላዕለዋይ ኣቦ-ወምበር ቤት/ምኽሪ ቤጃ ሳይድ ትሪኪ፡ ላዕለዋይ ተጸዋዒ ሃረንደዋ ኢማም ኣብዱ ራሕማን ዝርከብዎም፡ ወከልቲ ዝተፈላለያ ሰልፍታትን ማሕበረ-ሰብ ሱዳንን ምዃኖም ተፈሊጡ።

እቲ ዜና ከም ዝሓበሮ ናይቲ ስምምዕ እማመ ትሕዝቶ፡ ድሕሪ ኩናት ደው ምባል ኣብ ሱዳን ንክልተ ዓመታት ዝጸንሕ መሰጋገሪ መንግስቲ ክምስረት፡ እቲ ዝምስረት ሃገራዊ መንግስቲ ድማ ወጻኢ ካብ ምትእኽኻብ ፖለቲካዊ  ውድባት፡ ንብዙሕነት ኩሉ ዞባታት ሱዳን ኣብ ግምት ዘእተወ ኮይኑ፡ ንኹሉ ክፋላት ሕብረተሰብ  ዝውክል ነቲ ዝነበረ  ስምምዕ ሰላም ጁባ ዘኽብርን  ንሽግር ምብራቅ ሱዳን ፍሉይ ግምት ዝህብን ክኸውን ዝብሉ ይርከብዎ። ነቲ ንክልተ ዓመት ዝመርሕ  መሰጋገሪ መንግስቲ ዘቑሙ ኣካላት፡

1) ካብ ልኡላዊ ቤት ምኽሪ ሱዳን ዕጡቓት ሓይልታት ዝውከለሉ ኮይኑ፡ ብዋና ኣዛዚ ሰራዊት ሱዳን ክምራሕ።

2) ቤት ምኽሪ ሚኒስተራት
3) ቤት ምኽሪ ሓጋጊ ኣካል
4) ፍርዳዊ በዓል ስልጣንን ሕገ መንግስታዊ ቤት ፍርድን፡ ዝሓቁፍ ከም ዝኸውን ኣብቲ እማመ ሰፊሩ።

ምንጭታት ከም ዝገለጽዎ ኣዛዚ ሰራዊት ሱዳ ጀነራል ዓብደል ፈታሕ ኣል ቡርሃ ብወገኖም ኣብ ኣስመራ ምስ ሓለፍቲ ኤርትራ ምስተራኸቡ፡ ንዝተወሰነ ግዜ ኣብዚ ኣብ ኣስመራ ዝተቓነዐ ኣኼባ ተሳቲፎም ቃል ኣስሚዖም። በዚ መስረት እቶም ጀነራል ደጋፊ ናይ’ዚ ስምምዕ እማመ ከም ዘለዉ ይግመት።

ብኻልእ ወገን ድማ ኣዛዚ ቅልጡፍ ሓይልኢ ሱዳን መሓመድ ሓምዳን ዳጋሎ፡ ብ14 መስከረም ኣብ ዘውጽእዎ መግለጺ ጀነራል ኣል ቡርሃን ኣብ ፖርት ሱዳን መንግስቲ እተመስሪቶም፡ ንሶም ድማ ኣብ ካርቱም ዝተፈልየ መንግስቲ ከም ዝምስርቱ ከም ዘጠንቀቑ ሱዳን ትሪቡን ሓቢራ፡

Last modified on Saturday, 16 September 2023 12:56