ኢሚግራሽን ስዊዘርላንድን ምቁራጽ መንግስታዊ ፈስቲቫላት ኤርትራን

2023-09-19 07:44:00 Written by  ቤት ጽሕፈት ዜና ሰዲህኤ Published in EPDP News Read 657 times

ምስሊ ካብ ማሕበራዊ መዲያ

ኣብ ስዊዘርላንድ ኦፊኮን ኣብ እትበሃል ከባቢ ኣውራጃ ዙሪክ፡ ኤርትራውያን ተቓወምትን ደገፍትን መንግስቲ ምግጫዎም ናይታ ሃገር ኢሚግሬሽን ከም ዝገለጸ፡ ብዛዕባ ፖለቲካ ቀርኒ ኣፍሪቃ ተመራማርን ተንታንን ነባር ጋዜጠኛ ማርቲን ፕላውት ሓቢሩ። እዚ ተረእዮ ንናይታ ሃገር ላዕለዎት ሓለፍቲ ኢሚግረሽ ኣዝዩ ከም ዘሻቐሎም እውን ማርቲን ኣብ ጽሑፉ ኣስፊሩ።

ጸሓፊት ኢሚግረሽን ስዊስ ነዚ ተረኽቦ ብዝምልከት ተሓቲተን፡ ብቑጠዐ “ቀይሕ መስመር ዝጠሓሰ ተግባር እዩ” ኢለን፡ እዚ ንሃገር ስዊዘርላንድ ዘይጠቅምን ዘይምልከታን ተግባር “ኣብ መሬትና ምፍጻሙ  የተሓሳስበኒ” ከም ዝበላ ማርቲን ፕላውት ኣብቲ ጽሑፉ ጠቒሱ። እተን ጸሓፊት ኣተሓሒዘን ህውከት ዝፈጥር መድረኻት ፈስቲቫል ተቐባልነት ከምዘየብሉን ምስ ዝኣምኑ ኣካላት ኮይነን ንምቁራጹ ከም ዝሰርሓን ምግላጸን እውን ተፈሊጡ።

ብድሕሪቲ ህውከት ዘስዓበ ፈስቲቫላት ናብ መንግስቲ ኤርትራ ዝቐረቡ ወደብቲ ኣካላት ከም ዘለዉን ነቲ ኣጋጣሚ  ከም መእከቢ ገንዘብ ነቲ ዲክታቶርያዊ ጉጅለ ከም ዝጥቀምሉን ምርድአን እተን ጸሃፊት ምግላጸን እቲ ጸብጻብ ዘርዚሩ። እቲ ፈስቲቫላት ብጉልባብ ዝኽሪ ብረታዊ ቃልሲ ኤርትራ ዝተበሰረሉ ከም ዝተወደበ፡ ብኣንጻሩ ተጻረርቲ ናይ ስርዓት ኤርትራ ከም ዝተቓወምዎ፡ እዚ ድማ ኣብ ስዊስ ጥራይ ዘይኮነ ኣብ ብዙሓት ሃገራት ኤውሮጳ፡ ኣሜሪካ፡ ካናዳን እስራኤልን ከም ዝተኸስተ ብዝርዝር ጠቒሰን።

ምስዚ ብዝተተሓሓዘ፡ ነዚ ዕግርግር ብዝምልከት ካብ ዙሪክ “ደገፍቲ ናይቲ መንግስቲ ናብ ሃገሮም ይመለሱ” ዝብል ሓሳብ ከም ዝቐረበ ብምጥቃስ፡ እተን ጸሓፊት ኢሚግረሽን ብወገነን ብቀጥታ ነዚ ዝድግፍ ብዙሕ ሓሳብ ብቐጥታ ከም ዝበጸሐን መስኪረን።

ናይ ኣውራጃ ዙሪክ ህዝባዊ ኣኽባር ሕጊ ብወገኑ፡ ድሮ ኣብ ልዕሊ 15 ትኹረት ዝተገብረሎም ኤርትራውያን ክሲ ከም ዝመስረተ ኣፍሊጡ። እቶም ሰባት ዝተጠርጠርሉ ጉዳይ “ሰላም ምዝራግ” ኮይኑ፡ ካልእ ገበናዊ ክሲ ከስዕብ ከም ዝኽእል እውን ተጠቒሱ። እተን ጸሓፊት ኢሚግረሽን ኤርትራውያን ካብ ኤውሮጳ ናብ  ሃገሮም ምጥራዝ ቀሊል ኣይኮነን ምኽንያቱ እቲ መንግስቲ ስለዘይተሓባበር፡ እንተኾነ ስዊዘርላንድ ንጸጥተኣ ሓደገኛ እንተኮይኑ፡ ላዕለዎት ሓለፍታ  መሰል ስደተኛታት ክስርዙ ሕጋ ከም ዘፍቅድ  ኣብቲ ጸብጻብ ተሓቢሩ።

Last modified on Tuesday, 19 September 2023 10:03