ዝምስገን ሰናይ ተግባር፡ ልግሲ ንኣካለ ጽጉማን

2023-09-14 15:00:33 Written by  ቤት ጽሕፈት ዜና ሰዲህኤ Published in EPDP News Read 759 times

ማሕበር ኣካለ ጽጉማን ኤርትራውያን ጨንፈር  ሃገር ሆላንድ ብ9-09-2023  ንናይ ሓርነት ውጉኣት ነበርቲ ሃገረ ሱዳን ዝውዕል ኣታዊ ንምርካብ ኣብ ከተማ ኣምስተርዳም ፡ ናይ ድራር እንግዶት ከም ዘካየደ ካብቲ ማሕበር ዝተረኽበ ሓበሬታ ኣረዲኡ። 

ናይቲ እንግዶት ተሳተፍቲ ካብ ዝተፋላለያ ከተማታት ሆላንድ ዝመጽኡ ኮይኖም፡ ኣብዚ ኣጋጣሚ ንምስታፍ ዘይጠዓሞም ኣካላት ድማ  ሓገዛቶም ብመንገዲ ናይ ባንኪ ሕሳብ ክልእኩ ከምዝኽእሉ ብምጥቃስ ኣብቲ ናይ 9 መስከረም 2023 እንግዶት ብድምር 1584 ዩሮ ኣታዊ ከም ዝተረኸበ ተሓቢሩ።  ነቶም ኣብቲ ኣጋጣሚ ተሳቲፎም ብውልቂ ይኹን ብደረጃ ስድራቤት ንዘበርከቱ ከኣ እቲ ማሕበር ምስጋናኡ ኣቕሪቡ።   

ኣብቲ  ኣጋጣሚ ቡዙሓት ግዱሳት ኣሓትን ኣሕዋትን ብሰናይ ድሌቶም ኣባላት ማሕበር ክኾኑ ቅሩብነቶም ስለ ዘርኣዩ፡ እቲ ጨንፈር ናይቲ ማሕበር ምስጋናኡ ገሊጹ።  

ኣብ መወዳእታ ድማ እንተደኣ ሓቢርካ ሰሪሕካ ጸገማት ምቅላል ከምዘይንጽግም ብምጥቃስ፡ ብፍላይ ጉዳይ ኣካለ ጽጉማን ናይ ኩሉ ዋኒን ምዃኑ ብምጥቃስ ሽማግለ ማሕበር ኣካለ ጽጉማን ኣብ ኔዘርላድስ ንቐጻሊ ተሳትፎ መጸዋዕታ ኣቕሪቡ።

Last modified on Thursday, 14 September 2023 17:05