ህግደፍን ህዝቢ ኤርትራን ፊትንፊት

2016-05-13 06:58:45 Written by  ቤት ጽሕፈት ዜና ሰዲህኤ Published in EPDP Editorial Read 2628 times

ርእሰ-ዓንቀጽ ሰዲህኤ

ካብ ነዊሕ ግዜ ጀሚሩ፡ ኣብ ኤርትራውያን ኣዛራብቲ ካብ ዘለዉ ፖለቲካዊ ዛዕባታት ሓደ ዝምድና ህዝቢ ኤርትራን ምምሕዳር ህግደፍን ዝምልከት እዩ። ህግደፍ ኣብ ኤርትራ ውድድር ዓጊቱ “ከም ድላዩ” ይዕንድር ስለ ዘሎ፡ ነቲ ዝምድናኡ ምስ ህዝቢ ኤርትራ ባህ ከም ዝበሎ ገይሩ እንተገለጾ ንግዜኡ ኣብ ቅድሚኡ ዝጸንሕ የለን። ከምኡ ስለ ዝኾነ እዩ ከኣ ከይሓነኸ “ንሱ ንሕና፡ ንሕና ከኣ ንሱ” እንዳበለ ዝሕጭጭ። ህዝቢ ኤርትራ ግና ናይ ልቡ ከይዛረብ ልሳኑ ኣብ ዝተለጉመሉ መዋእል ስለ ዘሎ፡ ኣይኮነንዶ ከም ጉጅለ ህግደፍ ክሕጭጭ እቲ ክዉን ሓቂ ናይ ምዝራብ ዕድል’ውን ኣይረኸበን።

ከምቲ ለባማት ዝብልዎ “ግዜ ሓያል ፈራዳይ እዩ።” ከምኡ ስለ ዝኾነ ከኣ እነሆ ድሕሪ 25 ናይ ናጽነት ዓመታት ኩሉ ናይ ህግደፍ መታለሊ ጉልባባት ተቐንጢጡ፡ ሓቀኛ ዝምድና ህግደፍን ህዝቢ ኤርትራን ባዕሉ ክዛራብ ኣብ ዝኽእለሉ ደረጃ በጺሑ። እቲ ዝምድና ናይ ጨቋንን ተጨቋንን፡ ናይ ኣሳርን ተኣሳርን፡ ናይ ቀታልን ተቐታልን … ወዘተ ምዃኑ ኮለል ኢሉ ወጺኡ። ዝምድናኦም ድማ ከምቲ ህግደፍ ዝብሎ፡ ናይ  “ንሱ ንሕና፡ ንሕና ከኣ ንሱ” ዘይኮነስ ፊትንፊት ዝፋተጠጡ ኣካላት ምዃኖም ተነጺሩ።

እዞም ክልተ ኣካላት ህግደፍን ህዝቢ ኤርትራን ተነጺሎም ዝነብሩ ኣካላት ዘይኮኑስ፡ ኣብ ህዝቢ ኤርትራ ነናቶም ጽልዋን ቦታን ዘለዎም እዮም።  “መን ምስ መን?” ኢልና ክንሓትት እንከለና ኣብቲ ናይ መጀመርያ ናይ ናጽነት ዓመታት ብዙሕ ካብ ህዝቢ ኤርትራ ደጋፊ ህግደፍ ነይሩ ጥራይ ዘይኮነስ፡ “ህግደፍ ዝሓዞ መንገዲ ከም መተካእታ ዘየብሉ ቅኑዕ ይረአ ነይሩ እዩ።  “ጉዕዞ ህግደፍ ናብ ጭቆናን ወጽዓን እምበር ናብ ራህዋን ደሞክራስን ዝመርሕ ስለ ዘይኮነ፡ ከሎ ጌና ንኹለፎ” ምባል ነውሪ ከም ዝነበረ ምንባሩ ከኣ ዝርሳዕ ኣይኮነን። ሎሚ ግና ናይ ጉጅለ ህግደፍ በደል እንዳኹሉ ገዛ ማዕጾ ሰሰይሩ ስለ ዝኣተወ፡ ብኣንጻሩ ንጉጅለ ህግደፍ ምድጋፍ ነውሪ ኣብ ዝኾነሉ ደረጃ በጺሕና ኣለና። ኣብዚ ደረጃ ምብጻሕ ነቲ ኣብ መጻኢ ዝተርፈና ቃልሲ ኣብ ምዕዋት ኣገዳሲ ስጉምቲ ንቕድሚት እዩ። እዚ ተበጺሑ ዘሎ ደረጃ እቲ ጉጅለ ፈትዩ ዝሃቦ ህያብ ዘይኮነ፡ ውጽኢት ናይቶም ሽዑ ውሑዳት ዝነበሩ ተቓወምቲ፡ ሕቡእ ባህርያት ህግደፍ ምስ ተቓለዐ ከም ዝበዝሑ ኣሚኖምን ኩሉ ክኢሎምን ናይ ዘካየድዎ ቃልስን ዝኸፈልዎ ዋጋን ውጽኢት እዩ። ስለዚ ሎሚ ኩነታት ተገልቢጡ ደገፍቲ ህግደፍ ብኣተሓሳስባ ተሳዒሮም፡ ቁጽሮም ውሒዱ ኣብ ዝሓፍርሉ  በጺሕና ኣለና።

እዚ ማለት ግና ዝርካቦም ደገፍቲ እቲ ጉጅለ ዘስምዕዎ ላሕታት ጸረ-ህዝቢ ድምጺ የለን ማለት ኣይኮነን። እንተኾነ ህግደፍ እንዳሓደረ ዝብሎ ጠፊእዎ ኣብ ኢዶም ይሓውዮም ስለ ዘሎ፡ ደገፍቱ ዘስምዕዎ ድሚጺ ዘይርትዓውን ተኸታታልነት ዝጐደሎን እዩ። ኣብ ሓደ ኣጋጣሚ ሓደ ዝተማህረ ዝመስል ደጋፊ ህግደፍ ምስ ኤርትራውያን፡ ደለይቲ ፍትሕን ለውጥን ኣብ መጕተ ቀሪቡ፡ “ስለምንታይ እዩ ህግደፍ ስልጣን ንህዝቢ ዘየረክብ?” ተባሂሉ ምስ ተሓተተ፡ “ህግደፍ ናጽነት ኤርትራ ንሱ ስለ ዘምጸአ ይኣኸለኒ ክሳብ ዝብል ናይ ምግዛእ መሰል ኣለዎ” ክብል ዝሃቦ መልሲ፡ ናይቲ ጉጅለ ደገፍቲ ክሳብ ክንደይ ኣብ መንቀራቕሮ ኣትዮም ከም ዘለዉ ዘመልክት ኣብነት እዩ።

ንመግዛእቲ ህግደፍ ዝቃወሙ ኤርትራውያን ካብ ህዝቢ ኤርትራ ዝበዝሑ ምዃኖም ከምቲ ኣቐዲሙ ዝተጠቕሰ ሓደ ስጉምቲ ንቕድሚት እዩ ኢልናዮ ኣለና። ሕጂ እቲ ቀንዲ ዕማምና ነዚ ብዝሒ ተቓውሞ፡ ናብ ዓይነታዊ ናይ ለውጢ ዓቕሚ ናይ ምምዕባሉ ከቢድ ዕማም ኣብ ቅድሜና ኣሎ። ነዚ ዕማምዚ ከቢድ ካብ ዝገብርዎ ምኽንያታት ሓደ፡ ጉጅለ ህግደፍ ቅድም ቀዳድም ነዚ ተፈጢሩ ዘሎ ናይ ሓይሊ ሚዛን ንምቕያር ዓዲ ዘይውዕል ምዃኑ እዩ። ድሮ’ኳ ነቶም ብሰንኩ ዓዶም ገዲፎም ዝተሰዱ መንእሰያት፡ እንደጋና ኣብ ዝኸድዎ እንዳሰዓበ  “ናይ ጣዕሳ ቀጥዒ ብዝብል” ብዝብል ቋንቁኛ መስረዖም ከቐይሮም ይፍትን ኣሎ። ከምቲ ትጽቢቱ’ኳ እንተዘይኮነ፡ እዚ መጻወድያኡ “ዋላ ሓደ ኣይሓዘሉን” ክንብል ኣይንኽእልን ኢና። ውሑዳት ደቂ ልቢ ገርሃ ኣይሰኣነን።

ንሕና ናይ ለውጢ ሓይልታት ነዚ ህግደፍ ከም ሓድሽ ዝዝርገሖ ዘሎ ከፋፋሊ ናይ ምትላል መርበብ ከነምክኖ ይግበኣና። እዚ ተንኮሉ ዝመክን ኣብ ውሽጥና ባዕልና ብእነካይዶ ስራሕ ጥራይ እዩ። ካብ ናይ ህግደፍ ድኽመትን ውድቀትን ክንዕንገል ጥራይ ክንጽበ ኣይግበኣናን። ኣባና ክንሰርሖም ዝግበኣና ዕማማት ብዙሓት እዮም። ኣቲ ቀንዲ ከኣ ነቲ ኣብ ኢድና ዘሎ  ዝተበተነ ዓቕሚ ኣሕቢርና ኣንጻርቲ ጉጅለ ከነዋፍሮ ምኽኣል እዩ። እዚ ዕማምዚ ከቢድን ብምክእኣል፡ ምጽውዋን፡ በይንኻ ክትልውጥ ከምዘይትኽእል ብምእማንን ጥራይ እዩ ዝዕወት። እዚ ዕማምዚ ክትዛረቦ ቀሊል ይመስል። ኣብ ባይታ ክትትግብሮ ግና ከቢድን ክሳብ ሕጂ ሓሊኹ ሒዙና ዘሎን እዩ። ኣብዚ መስርሕ’ዚ ሓድሽን ነባርን፡ ጀብሃ ነበርን ሻዕብያ ነበርን፡ ተሪር ተቓዋማይን ልኡም ተቓዋማይን፡ እንዳተበሃሃልና ናይ ህግደፍ ሲሳይ ከይንኸውን ምጥንቃቕ ከድልየና እዩ። እንተ ህዝቢ ኤርትራ ብዛዕባ ዝምድናኡ ምስቲ ጉጅለ ካብ ማንም ኣካል ከይተጸበየ ካብቲ ኣብ ልዕሊኡ ዝፍጸም ዘሎ በደላት ኣዳዕዲዑ ተረዲእዎ እዩ። ህግደፍ ደጊም ባዕሉ ኣብ ማእከል ኣስመራ ደቁ ረሽኑስ፡ ምስ ህዝቢ ኤርትራ ዘለዎ ዝምድና ብጐቦ ዓይኒ ካብ ምርእኣይ ሓሊፉ ፡“ንሱ ንሕና፡ ንሕና ከኣ ንሱ” ብዝብል ኣሽካዕላል ዝሕበኣሉ ዕድል ኣይህልዎን እዩ።

Last modified on Friday, 13 May 2016 09:03