ናጽነትና፡ ዋጋኡን ፍሪኡን

2016-05-09 17:46:58 Written by  ቤት ጽሕፈት ዜና ሰደህኤ Published in EPDP Editorial Read 3342 times

ኣይኮነንዶ ብሩራዊ ኢዮበልዩ ዝኽሪ ናጽነት ኣብ ዝቀራርበሉ ግዜ፡ ኩሉ ሳዕ እንተኾነ እውን ብዛዕባ ክብሪ ናጽነትን ንምርግጋጹ ዝተፈጸመ ቅያታትን ምዝራብ ከምዘይምኖ ኩልና እንኣምኖ እዩ። ምኽንያቱ እዚ ናጽነት ንህዝቢ ኤርትራ ብክቡር ዋጋን ንዊሕን መሪርን ቃልስን ብሓባር ካብ ምንጋጋ መግዛእቲ ዝመንዘዖ’ሞ ደሓር ከኣ ሕብረተሰብ ዓለም “ይግበኣካ እዩ” ኢሉ ወግዒ ዘልበሰሉ ስለ ዝኾነ። እንተኾነ ብዛዕባቲ ህዝቢ ኤርትራ ንናጽነት ዝኸፈሎ ዋጋን ዘርኣዮ ጽንዓትን ብውሽጥኻ ኣስተንቲንካ ትዝክርን ትፍሳህን’ሞ ሽዑንሽዑ ከኣ ናብ ህልዊ ኩነታት ሃገርናን ህዝባን ተተመለስካስ፡ ሻቕሎት ይወረካ “ናጽነትሲ መሊኡ ኣይተረጋገጸን” ዝብል መልእኽቲ ከኣ ንመንፈስካ ይዕብልሎ።

ናብቲ ንቡር ውነኻ ተመሊስካ ተሓሳብካዮ ከኣ ብሕልና ኮነ ብግብሪ ነቲ ጐላዕላዕ ዝብል ቆጽሊ ናጽነት ደጋጊምካ ተዳህሰስካዮስ ከቶ ፍረ ዘይትረኽበሉ። ድሕሪኡ እቲ በቲ ጽቡቕ ቆጽሊ ዝተፈሰሀ መንፈስካ፡ ፍረ ዘይምስትምቓሩ ይድወን። መጻኢ እንተማዕደኻ ድማ ኣብ ክንዲ ዝሓለፈ ጅግንነት ምጽብጻብ፡ “ፍሪኡ ኣብቲ ባይታኸ’ሞ እንታይ ኮነ?” ኢልካ ክትሓትትን መልሲ ክትረኽበሉን ትግደድ። ማዕከናት ዜና ጉጅለ ህግደፍ ዝርካበን ኩሉ ግዜአን ጸንቂቐን ቦታን ዕለትን እንዳጠቐሳ ኣዝየን ንድሕሪት ተመሊሰን፡ ኣብቲ ነዊሕ ቃልሲ ምእንቲ ናጽነት ካብ ዝተሰርሐ ጅግንነት ዝተወሰነ የስመዓን የርእያን ኣለዋ። እዚ ዋጋ ኤርትራውያን ጀጋኑ ስለ ዝኾነ ምስ ኩሉ ውስንነቱ ዝቃወሞ ኣካል ዘሎ ኣይመስለንን። እዋኑ ከኣ ስለ ዝኾነ።

እንተኾነ፡ ከምቲ ወለድና “ጉይይ ካብ ምውዓል፡ ክሳድ ምሓዝ” ዝብልዎ፡ ዜርካ ዜርካ፡ ዝዘርዘርካ ዘርዚርካ “ናይ መወዳእታ ውጽኢቱኸ ከመይ ኮነ?” ኢልካ ምሕታት ናይ ግድን እዩ። ጽቡቕ ኣጀማምራን ምዕሩግ መስርሕን፡ ብኣድማዒ ውጽኢት ተዘይተሰንዩ እቲ መስርሕ ምሉእ ኣይከውንን። እዚ ኣይኮነዶ ብኽንደይ መስገደልን ጥውይዋይ መንገድን ንዝሓለፈ ህዝቢ ኤርትራ ንማንም ዝስወሮ ኣይኮነን፡ ህዝቢ ኤርትራ ኣብቲ ምስ ጉጅለ ህግደፍ ብኣካል ናይ ምርኻብ ዕድል ዘይነበሮ ግዜ እሞ ንግደፎ፡ ኣብ እዘን ዝሓለፋ 25 ከም ናይ ግዜ መግዛእቲ መረርቲ ናይ ናጽነት ዓመታት ብመተዓሻሸዊ ተንኮላት ናይቲ ጉጅለ ፈሊሑስ ገሪሩ እዩ።

ኤርትራውያን ኣዴታት ህግደፍ ንቕድሚት ምርኣይ መምስ ሰኣነ፡ ንድሕሪት ተመሊሱ ፋይላት ገንጺሉ ጅግንነት ደቀን ከርእየን እንከሎ ክሳብ ሎሚ ንብዓተን ኣይዛረየን። ምስቲ ለዋህ ንብዓተን “ወዮ መስዋእቲ ደቅናስ ፍሪኡኸ ከመይ ኮነ? ኣኺሉና ድዩ ዓስብና ከምዚ ኮይኑ?” ኢለን ምሕታተን ናይ ግድን እዩ። እቲ ጉጅለ ግና ነዚ ሕቶአን ንምምላስ ኣይግደስን ጥራይ ዘይኮነ ሎምስ ዓቕሚ’ውን የብሉን። እዚ ሕቶዚ ክሳብ ዘይተመለሰ ከኣ ጉልበት ወሲኹ ንቕድሚት ክመጽእ ናይ ግድን እዩ። ጉጅለ ህግደፍ ብወገኑ ነዚ መሰረታዊ ሕቶ’ዚ ዝምልስ ዓቕሚ ኮነ ባህሪ ከምዘየብሉ ስለ ዘይእመን፡ ካብ ምጉብዕባዕ ሓሊፉ ዝገብሮ የብሉን። “ናጽነትና ብሓርነት፡ ማዕርነት፡ ሰላምን ደሞክራስን ስለ ዘይተሰነየ ምሉእ ኣይኮነን። ምሉእ ንክኸውን ድማ እቲ ነዚ ዓንቂጹ ዘሎ ህግደፍ ክውገድ ኣለዎ” ንዝበሉ ወገናት ዝህቦ መልሲ ከኣ “ናጽነት ኤርትራ ዘይተዋሕጠሎም ወይ ምስ ጸላእቲ ኤርትራ ዝመሓዘዉ” ዝብል ቅጽል’ዩ ዘልግበሎም።

ጉጅለ ህግደፍ ኣብ ሓደ እዋን ነዚ መደናገሪ ምህዞኡ፡ ኣይኮነንዶ ኣብ ቅድሚ ህዝቢ ኢርትራ ኣብ ሓያሎ ፖለቲካዊ ዕዳጋታት ካብ ኤርትራ ወጻኢ’ውን ዋጋ ረኺብሉ ነይሩ እዩ። እንተኾነ ግዜ እንዳነወሐ፡ እቲ ሓቀኛ ባህሪ ናይዚ ጉጅለ ድማ እንዳተቐልዐ ምስ መጸ፡ እነሆ ሎሚ ኪኖ ናጽነት ኣብ ደሞክራሲ፡ ልምዓትን ሰላምን ከሰጉም ዘኽእል መሓውር ከም ዘየብሉ ተረጋጊጹ። ህግደፍ ግና “እዚስ ሰማዒ ስኢነሉ እየ” ኢሉ ከምጸኦ ዝኽእል ሓድሽ ባህሪ ስለ ዘየብሉ፡ ኣብ ናይ “ዋላ ትንፈር እምበር ጤል’ያ” ዓለም ይነብር ኣሎ። መበል 25 ዓመት ዝኽሪ ናጽነት’ውን በዚ ዝበለየ ኣቀራርባ ከኽብሮ’ዩ ዝዳሎ ዘሎ።

እምበኣር ኣካይዳ ህግደፍ ኣብ መዋእል ናጽነት ርኢናዮ ኣለና። ድሕሪ ሕጂ ካብኡ ንጽበዮ ሰናይ ከም ዘየለ ከኣ ኣፍና መሊእና ኣብ እንዛረበሉ ደረጃ በጺሕና ኢና። “ንሕና ናይ ለውጢ ሓይልታት ምስ መላእ ህዝቢ ኤርትራኸ እንታይ ይጽበየና ኣሎ?” እዚ ክንምልሶ ዝግበኣና ሕቶ እዩ። ደጊም ተስፋና ካብ ቃልስና እምበር ካብ ህግደፍ ንጽበዮ ናብ ራህዋ ዝመርሕ ለውጢ ከምዘየለ ቅድሚ ኩሉ ርግጸኛታት ክንከውን ይግበኣና። ንህግደፍ ደጋጊምካ ምርጋምን ንለውጢ ካብኡ ምጽባይን ኣኸቲሙ እዩ። ንሱ ካብዚ ዘለዎ ናብ ደሓን ዝወስድ መንገዲ የብሉን። ስለዚ ኣብ መስርሕ ቃልሲ ምእንቲ ናጽነት ዝተሰርሐ ጅግንነትን ዝተኸፍለ ክቡር ዋጋን ኣብ ቦታኡ ኮይኑ፡ ንህግደፍ ኣወጊድካ ነቲ ዝተረፈ ንምምላእ ከኣ ኣብዚ ዝኽሪ መበል 25 መዓልቲ ናጽነት ኮይና፡ ቃልስና ከነሕድስ ናይ ግድን ኮይኑ ቀሪቡ እነሆ።

Last modified on Monday, 09 May 2016 19:50