ሓንሳብ ዝዓበደ፡ ዝሓሾ ይመስል’ምበር ኣይሓውን

2016-05-06 14:13:21 Written by  ቤት ጽሕፈት ዜና ሰዲህኤ Published in EPDP Editorial Read 2810 times

ርእሰ-ዓንቀጽ ሰዲህኤ

ኩልና ከም እንረዳደኣሉ፡ እዚ ሎሚ ጉጅለ ህግደፍ ሒዝዎ ዘሎ ኣዕናዊ መንገዲ ውጽኢት ናይቲ ክጐዓዞ ዝጸንሐ ነዊሕ ግጉይ መንገዲ እምበር ብሃንደበት ዝሓደሮ ሕማም ኣይኮነን። ሓደ ሰብ ምስ ሓመመ፡ እንተ ብዘመናዊ ወይ ባህላዊ ሕክምና ክሓዊ ንቡር እዩ። ከምኡ ስለ ዝኾነ ሓደ ኣካል እንተሓሚሙ ቀረቡ ተስፋ ኣይቆርጹን እዮም። ክሓዊ እዩ ዝብል ትጽቢቶም ከኣ ኣይሓርርን እዩ። ኣብ ፖለቲካዊ እምነት እውን ኣብ ሓደ ኣጋጣሚ ገምጋምካ ተኸቲልካ ሓደ መንገዲ ትመርጽ’ሞ ኣብቲ መስርሕ ዝመረጽካዮ ፖሊሲ ህዝባዊ ተቐባልነትን ውጽኢትን ዘየብሉ ኮይኑ ምስ ረኸብካዮ ግዜ ሂብካ ክትመዝኖ ንቡር እዩ። ድሕሪዚ ምቕያር መንገዲ ዘድልየካ ኮይኑ እንተረኺብካዮ ተተዓራርዮ። ነቶም ቅድም በቲ ግጉይ መንገዲ ክትከይድ እንከለኻ ዝሃሰኻዮም ኣካላት ይቕረታ ሓቲትካ፡ ብተግባር ክትክሕሶም ድማ ንቡር እዩ። ኣብ ከምዚ ዓይነት መስርሕ ተሳትፎ ህዝቢ  ነቲ ውጽኢት የማዕርጎ።

ኢስይያስ ኣፈወርቂ ዝመርሖ ጉጅለ ዝመረጾ መንገዲ ግጉይ ብዛዕባ ምዃኑ ኣብ ቅድሚ ኩልና ብሩህ እዩ። እዚ ብስምዒት ዝብጻሕ መደምደምታ ዘይኮነ ብርኡይ መርተዖ ዝተረጋገጸ እዩ። ነዚ ዝምስክሩ ውሱናት ኣካላት ዘይኮኑ፡ ብፍላይ ህዝቢ ኤርትራ ብሓፈሻ ድማ መላእ ሕብረተሰብ ዓለም እዩ። ውሱናት ብኣጻብዕ ዝቐጸሩ “ኣንታ ንበረልና” ዝብልዎ ኣብ ካልእ ዓለም ዝነብሩ ኤርትራውያን ምህላዎም ከኣ ነቲ ጉዳይ መሊሱ ኣገራሚ ይገበሮ። ገለ ወገናት ንጉጅለ ህግደፍ ኣብቲ ንቡር ናይ ምስትውዓል ዓለም ዝነብር ዘሎ እንዳመሰሎም፡ ኣብ ነፍሲ ወከፍ ኣጋጣምታት ገለ መሕወስ ሰብ ዝኸውን ስጉምቲ ክወስድ ይጽበይዎ እዮም። ከም ኣካል ናይዚ ኣተሓሳስባ’ዚ ኣብዚ ዝመጽእ ዘሎ መበል 25 ዓመት ብሩራዊ ኢዮበልዩ ደኾነ ገለ ይገብር ኢሎም ዝጽበዮ ሓሓሊፎም ይረኣዩን ይስምዑን እዮም። እዚ ካብቲ ኣብ ንቡር ዓለም ዝነብር ኣካል እትጽበዮ እዩ። መራሕቲ ሃገር ወይ ገዛእቲ ሰልፍታት ንድምቀት ከምዚ ዝኣመሰለ ረዚን ኣጋጣሚ ኢሎም፡ እሱራት ይምሕሩ፡ ብህዝቢ ክምረር ዝጸንሐ ፖሊሲታት ሰሪዞም ዝሓሸ ኣዋጃት የውጽኡ፡ ምስ ገለ ወገናት ተበላሽይዎም ዝጸንሐ ዝምድና ከም ዘመሓይሹ ቃል ይኣትዉ … ውዘተ።

እቲ ጉጀለ ህግደፍ ዝመርሖ ዘሎ ጉልሒንጣ መንግስቲ ግና ሃለዋቱ፡ ዝምድናኡ ምስ ህዝቢ ኤርትራ ኮነ ሕብረተሰብ ዓለም ግናይ እዩ። እዚኣ ኣላቶ ጥዕይቲ ኢልካ ሃሰስ ኢልካ ትረኽበሉ ደሓን የብሉን። ስለዚ ኩለንተናኡ እዩ ክዕረ ዝግበኦ እምበር ቆንጢርካ ወሲድካ ዝድሕን ሓማም የብሉን። ኣብ ከምዚ ኩነታት ሓደ ኣካል ንዕኡ ዝከኣል ኮይኑ ስለ ዝተራእዮ “ጉጅለ ህግደፍ ኣብዚ ኣጋጣሚ ከምዚ ዓይነት ኣውንታ ክገብር እዩ” እንተበለ ከም ገበን ክትቆጽረሉ ኣይግባእን። እንተኾነ ካብቲ ናይ ነዊሕ ጉዕዞ ህግደፍ ነቒሉ ከስተብህል እሞ ንተስፋኡ ደረት ክገብረሉ ምንጋሩ ጌጋ ኣይኮነን። ስለዚ ጉጀለ ህግደፍ ሓንሳብ ስለ ዝዓበደ፡ በቲ በብግዜኡ ዘስመዖ ዘይትግበር መብጸዓታት ደኣ ዝሓሾ ይመስምል ይኸውን እምበር፡ ከቶ ናይ ምሕዋይ ዕድሉ ኣዝዩ ጸቢብን ናብ ኣይከኣልን ዝተጸገዐን እዩ። ዘይሓዊ ካብ ኮነ ከኣ እቲ ፍታሕ ምውጋዱ ምዃኑ ንጹር እዩ። ስለዚ ትጽቢትናን ጻዕርናን ኣብ ብኸመይ ይውገድ እምበር ኣብ ብኸመይ ይጥዒ ክኸውን ኣይግባእን። ምኽንያቱ እቲ ናይ ምዃን ተኽእሎ ዘለዎ ምውጋዱ እምበር ምሕዋዩ ስለ ዘይኮነ።

ካብዚ ክንነቅል እንከለና ንሕና ደለይቲ ፍትሕን ደሞክራስን ኤርትራውያን ኮና ወጻዒ ጉጅለ ህግደፍ ኩልና መበል 25 ዓመት ዝኽሪ ናጽነት ኤርትራ ከነኽብር ክንዳሎ ባህርያዊ እዩ። “ነዚ ኣጋጣሚ’ዚ ተጠቒምና እንታይ ንግበር? እቲ ካብዚ ታሪኻዊ መድረኽዚ ኣማዕዲና እንርእዮ እንታይ እዩ? ዝብሉ ሕቶታት ኣብ ምምላስ ግና ቃናና በበይኑ እዩ። እቲ ጉጀለ ብኸመይ መግዛእታዊ ዓርዑቱ ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ኤርትራ የትርር እዩ ክሓስብ። ነዚ ብዝተፈላለዩ ብዕረ ዝተላዕጠጡ፡ ላዕሊ ላዕሎም ግና መንገዲ ራህዋ ዝኸፍቱ ዝመስሉ ጭረሖታት የዋድድ ኣሎ። ንሕና ከኣ ካብ ዝሓለፈ ተመኩሮና ተማሂርና፡ ነቶም ዝጭርሑ ላዕሊ-ላዕሎም ዘይኮነስ እቲ ሓቚፈምዎ ዘለዉ መርዚ ኣለሊና ብምርዳእ፡ ምስ ናይ ህግድፍ ዝጻረር ካብዚ ዘለናዮ ሕማቕ ዘበን ናብ ራህዋ ዝመርሓና መቃልሕ ብምስማዕ ኢና ነዚ ኣጋጣሚ ክንዝክሮ ዝግበኣና። እቶም ኣብዚ ጸልማት ክንነብር ዝደልዩን ምእንታኡ ዝሰርሑን ደግፍቲ ህግደፍ ዝወሓዱ ክንሶም፡ ስለምንታይ እቶም ዝበዛሕና በሃግቲ ራህዋ ዘይንዕወት? ንዝብል ሕቶ ከኣ ብግቡእ ክንምልስ ይግበኣና። ንበዓልና ንከምዚ ዓይነት ምስግጋር ተዘይተጠቒምናሎ፡ መዓልቲ ይመጽእ ይሓልፍ ካብ ምዃን ሓሊፉ ካልእ ትርጉም ኣይክህልዎን እዩ።

Last modified on Friday, 06 May 2016 16:19