ናጽነትና ትኳቦ ዘይኮነስ፡ ውጽኢት መሪር ቃልሲ’ዩ

2016-05-03 07:31:30 Written by  ቤት ጽሕፈት ዜና ሰደህኤ Published in EPDP Editorial Read 2967 times

ህዝቢ ኤርትራ ናጽነቱ ብዘይካ ብቓልሱ ብኻልእ መንገዲ ከም ዘይረጋገጽ ምስ ዓገበ፡ ቃልሲ ከካይድ ወሲኑ። ነዚ ቃልሱ ንምዕዋት መሳርሒ ዝኾኖ ውዳበ ክህልዎ ድማ ናይ ግድን ነይሩ። ውዳበ ናይ ሓባር ረብሓን ዕላማን ዘለዎም ኣካላት ብናይ ሓባር ጻዕሪ ንከዕውትዎ ዝጥቀምሉ ሓባራዊ ኣገባብ እዩ። እዚ ናይ ሓባር ናይ ቃልሲ መሳርሒ ውደባ ብሃታሃታ ጠፋጢፍካ ዝስራሕ ዘይኮነስ ናይ ገዛእ ርእሱ ቀጥዕን ኣገባብን ሒዙ ብመስርሕ ዝሓልፍ እዩ። ናይዚ ዝምስረተሉ ቀጥዒ ጽፈትን ድልዳለን ከኣ ኣብ ትሕዝቶ ናይቲ ብኣኡ ኣቢልካ ዝብጻሕ ዓወት ናይ ገዛእ ርእሱ ጽልዋ ኣለዎ።

ኤርትራውያን ተቓሊሶም ናጽነት ዘውሓሱለን ውድባት ኤርትራ፡ ኣብ ሕድሕደን ዝነበረ ፍልልይ፡ ምስሕሓብን ብሰንኪ እዚ ምስሕሓብ ዝፈሰሰ ደምን ዝባኸነ ንብረትን ግዜን ንታሪኽ ገዲፍካ፡ ናጽነት ኣብ ምምጻእ ነናተን ግደ ከም ዝነበረን ፍሉጥ እዩ። ብዓብይኡ ከኣ ናይዘን ውድባት ኩለመዳያዊ መሰረትን መንቀልን ህዝቢ ኤርትራ ስለ ዝነበረ ቀዳማይ ዋና ናይቲ ናጽነት ንሱ እቲ ህዝቢ እዩ። ህዝቢ ኤርትራ ቀንዲ ዋና ናጽነት ዝኾነሉ ምኽንያት ደቁ መሪቑ ኣብ ቃልሲ ስለ ዘሰለፈ ጥራይ ኣይኮነን። ባዕሉ እውን፡ ኣብቲ መስርሕ ሃናጺ ሓሳባት ብምሃብ፡ ብዛዕባ ጸላኢ መሰረታዊ ሓበሬታታት ብምቕራብ፡ ነቲ ናይ በረኻ ምንቅስቓስ ምስቲ ኣብ ውሽጢ ጸላኢ ዝነበረ ቅሩብነት ብምትእስሳር፡ ተጋደልቲ ብምዕንጋልን ዝሓምሙ ብምሕካምን ኣብ ዓውዲ ውግእ ልዑል ደገፍ ብምሃብን ዘበርከቶ፡ ልዕሊ ተዘይኮይኑ፡ ትሕቲ ናይቶም ብረት ዓጢቖም ኣብ ዓውዲ ውግእ ዝረጋረጉ ዝነበሩ ተጋደልቲ ዝስራዕ ኣይኮነን። ሓይሊ መግዛእቲ’ውን ናይ ህዝቢ ወሳንነት ተረዲኡ ዓዲ ንምውዓሉ ዝወስዶ ዝነበረ ስጉምትታት ዘናሕሲ ኣይነበረን።

ሓደ ውድብ ነቲ ህዝባዊ ምልዕዓል መልክዕ ኣብ ምትሓዝን ምምራሑን ዝህልዎ ግደ ዝከሓድ ኣይኮነን። ብዝኾነ መልክዑ ቀሪቡ ልዕሊ ኣብርክቶ ህዝቢ ክስራዕ ማለት ግና ፈጺሙ ጌጋ እዩ። ከምቲ ዝምድና ባሕርን ዓሳን፡ ውድብ ብዘይህዝቢ ክህሉ ኣይሕሰብን እዩ። ውድባት ኤርትራ ኣብቲ ነዊሕን መሪርን ቃልሲ ምእንቲ ናጽነት ንግደ ህዝቢ ክሳብ ክንደይ ግቡእ ክብደት ይህብዎ ነይሮም ከም ሓደ ኣገዳሲ ታሪኻዊ ተመኩሮ ብክኢላታት ክጽናዕ ዝግበኦ’ዩ። እቲ ቀንዲ ክምዘን ዝግበኦ ድሕሪ ናጽነት እዚ ብተግባር ሓላፍነቱ ብግቡእ ዝኸፈለ ህዝቢ ኤርትራ ቦታኡ ከመይ ኮይኑ? ከኣ ነጸብራቓ ናይቲ ውድባት ንህዝባዊ ወሳንነት ዝህበኦ ዝነበራ ክብደት እዩ።

ኩልና በብናትና ተመኩሮ ከነረጋግጾ ከም እንኽእል፡ ድሕሪ ናጽነት ኣብ ኤርትራ፡ እቲ ኣብ በረኻ ዝጸንሐ ከም መምጽኢ ናጽነት እቲ ኣብ ዓዲ ኮይኑ መስተንክር ተሳትፎ ከበርክት ዝጸንሐ ህዝቢ ድማ ከም ናጽነት ዝተመጽወተሉ ኮይኑ’ዩ ቀሪቡ። “ሲቪል ድዩ ተጋዳላይ” ብዝብል ኣሽካዕላል ከኣ እቲ ብረት ዘይሓዘ ከም ዘይተጋደለ ኣምሲልካ ምርኣይ ልሙድ ነይሩን ኣሎን። ምናልባት ኣብ ሜዳ ዝነበሩ ተጋደልቲ ቃልሶም ዝያዳ ዝመረረ ነይሩ ተባሂሉ፡ መዓርግን መዳልያን ከምኡ እውን ንመሰረታዊ መሰል ህዝቢ ኣብ ሓደጋ ዘየውድቕ ሓለፋ እንተዝግበረሎም ኣይመጉሃየን። ካብዚ ሓሊፉ ብረት ዓጢቕካ ስለ ዝተቓለስካ ኣብ መሰረታዊ መሰል ናጽነት ንህዝቢ “ኣይምልከተካን’ዩ” ብዝብል ምሽቑራር ብገበን ዘይረኣየሉ ምኽንያት የለን። እቲ ክሳብ ሕጂ ኣብ ኤርትራ ዝረአ ዘሎ ብኩራት ተሳትፎ ህዝቢ ኣብ ኩሉ ጉዳያቱ ሃገርን ህዝብን ከኣ ካብዚ ጥልመትዚ ዝነቅል እዩ።

ምስ ኩሉ’ቲ ብጸጋኡ ዘይምጥቃሙ፡ ህዝቢ ኤርትራ ሕጂ’ውን ናይዚ ንመበል 25 ዓመት ክብሩ ዝዝከረሉ ዕለት ቀሪቡ ዘሎ ናጽነት ዋና እዩ። እዚ ዋንነት’ዚ ብጉጅለ ህግደፍ ክባረኸሉ ክጽበ ኣይግበኦን እዩ። ነዚ ብዋግኡ ዝመጸ ግና ፍርያቱ ዝተንፍጎ ናጽነት ከኣ ክኽብሮን ክዝክሮን ይግበኦ። ንጉጅለ ህግደፍ ዝረኸብካ መሲሉካ ንናጽነት ካብ ምንእኣስ ክንጥንቀቕ ይግበኣና። ሓደ መዓልቲ ብትኳቦ ዘይኮነስ ብቓልሲ፡ ናጽነት ኤርትራ ናብቲ ዋንኡ ክርከብ ምዃኑ ጥርጥር የለን። ጉጅለ ህግደፍ ብጉልባብ ናይ ናጽንት ኢዮበልዩ ከውደኽድኽ እንከሎ ህዝቢ ኤርትራ ዝዝኽትመሉ ምኽንያት የለን። ኣብ’ቲ ኣገባብ ኣከባብራ ናይ ጉጅለ ህግደፍን ህዝቢ ኤርትራን ላዛ ክፈላለ ባህርያዊ እዩ። ጉጅለ ህግደፍ ኣብ ዘየለ ክውንነት “ናይ ጽቡቕ ኣለና” ነጋሪት ክወቅዕ ምዃኑ ምልክታት ይህብ ኣሎ። ብኣንጻሩ ህዝቢ ኤርትራ ናይ “ብፍረ ናጽነተይ ኣይተጠቐምኩን” መቓልሕ ከስምዕን መጻኢ ቃልሱ ክእምትን ናይ ግድን ክኸውን እዩ። ልዕሊ ኩሉ ከኣ ናጽነት ህዝቢ ኤርትራ ባዕሉ ዘምጸኦ እምበር ብጉጅለ ህግደፍ ዝተተኹበሉ ከም ዘይኮነ በሪኹ ክረአ ይግበኦ።

Last modified on Tuesday, 03 May 2016 09:34