
ሰዲህኤ፡ ኮሚሽነር ሰብኣዊ መሰል ሕ.ሃ ብጉዳይ ኤርትራ ምስ ሕብረት ኣፍሪቃ ንክዘራረቡ ኣዘኻኺሩ
Saturday, 28 April 2018 09:54 Written by ቤት ጽሕፈት ዜና ሰዲህኤሰልፊ ዲሞክራሲ ህዝቢ ኤርትራ (ሰዲህኤ) ኣብ ኢትዮጵያ ዑደት ናብ ዘካየዱ ላዕለዋይ ኮሚሽነር ሰብኣዊ መሰል ሕቡራት ሃገራት ኣቶ ዛይድ ኣል ሁሴን መዘክር ልኢኹ። ሰዲህኤ ኣብዚ መዘክሩ እቶም ኮሚሽነር ንሕብረት ኣብፍሪቃ ብዛዕባቲ ብባይቶ ሰብኣዊ መሰል ሕቡራት ሃገራት ካብ መጀመርያ 1990ታት ጀሚሩ ንክከታተሎ ሓላፍነት ዝተዋህቦ ኩነታት ሕሰምን ግህሰት ሰብኣዊ መሰልን ኤርትራ ንከዘኻኽርዎ ጸዊዑ።
እዚ ናብ ኣቦመንበር ኮሚሽን ሕብረት ኣፍሪቃ ኣቶ ሙሳ ፋቂ ማህማት ቅዳሑ ዝተላእከ ናይ 26 ማዝያ 2018 ህጹጽ መዘክር ሰዲህኤ፡ ኩሎም እቲ ጉዳይ ዝምልከቶም ኣካላት ሕቡራት ሃገራትን ሕብረት ኣፍሪቃን ብመንጽርቲ ውጽኢት መርማሪ ኮሚሽን ሕቡራት ሃገራት ሰብኣዊ መሰል ኤርትራ ኣንጻርቲ ኣብ ኤርትራ ዝፍጸም ዘሎ ግህሰታት ሰብኣዊ መሰላታን ጥሕሰታት ሕግን ስጉምቲ ዘይምውሳዶም ገሊጹ። ምስዚ ብዝተተሓሓዘ፡ ሕብረት ኣፍሪቃ ብወገኑ ኣብ ኤርትራ ይፍጸም ብዛዕባ ዘሎ ግህሰት ሰብእዊ መሰላት ብገበን ዝሕተቱ ኣካላት ሓላፍነት ዝወስድሉን ምእንቲ ፍትሕን ሓቅን ዝሕተትሉን ኣገባብ ከነጽር ይግበኦ ነይሩ ኢሉ።ሕብረት ኣፍሪቃ ብመንጽርቲ ብባይቶ ሰብኣዊ መሰል ሕቡራት ሃገራት ዓመት ዓመት ዝቐርብ መተሓሳስብታት ክሳብ”ዚ ግዜዚ ዋላ ሓንቲ ስጉምቲ ኣይወሰደን።
ኣቶ ዛየድ ኣል ሁሲየንን ኣቶ ፈቂ ማሃማትን ብ24 ማዝያ 2018 ኣብ ኣዲስ ኣበባ ዘካየድዎ ርክብ ከም ሓደ መርኣያ መደልደሊ ዝምድናን ምትሕብባርን ሕብረት ኣፍሪቃን ሕቡራት ሃገራትን ዝውሰድ እዩ። እዚ ናይ ኣዲስ ኣበባ ርክብ ክልቲኡ ኣካላት፡ ሰብኣዊ መሰላት ብሓባር ንምክልኻል መሰረት ዘንብር እዩ።
EPDP Reminds UN HR Commissioner to Talk About Eritrea with African Union
Friday, 27 April 2018 08:26 Written by EPDP Information OfficeIn a memorandum sent to UN High Commissioner for Human Rights, Mr. Zeid Ra'ad Al Hussein, who is currently in Addis Ababa, the Eritrean People's Democratic Party asked him to kindly remind the African Union about the mandate given them by the UN Human Rights Council in regard to the grave human rights violations in Eritrea which went on unabated from the early 1990's to the present.
The urgent EPDP message of 26 April 2018, also copied to the African Union Commission Chairman, Mr. Moussa Fakai Mahamat, regretted that all relevant UN organs and the African Union have not acted on the findings of the UN Commission of Inquiry on Eritrea that required urgent action to stop those violations and to serve justice to past abuses.
On its part, the African Union was recommended to set up "an appropriate accountability mechanism" in order to "hold perpetrators of crimes against humanity in Eritrea accountable to secure justice and truth."
To this day, African Union has not acted on those annually repeated recommendations for action by the UN Human Rights Council.
Mr. Zeid Ra'ad Al Hussein and Mr. M. Faki Mahamad on 24 April co-chaired in Addis Ababa the first AU and UN High Level Dialogue on Human Rights as part of the commitment to strengthen ongoing collaboration between both institutions. The Addis Ababa AU-UN Dialogue reportedly presented a platform to explore and develop joint approaches to preventing and addressing human rights abuses and violations and building mechanisms in defense of human and peoples' rights.
EPDP Discusses Eritrean Problems at Whitehall; Urges for Peace Initiatives
Wednesday, 25 April 2018 21:30 Written by EPDP Information OfficeEPDP delegation composed of Party Chairman Menghesteab Asmerom and UK Branch Chair Goitom Mebrahtu, met and discussed Eritrean issues on Monday, 23 April 2018, at Whitehall with Mr. Nick Hackett, head of the East Africa Division in the UK Foreign and Commonwealth Office (FCO). Emphasis was given to the need for UK and international action to find lasting solution to the no-peace-no-war situation between Eritrea and Ethiopia by seizing the new political opportunity opening up in the region.
The delegation explained in great detail the plight of Eritrean refugees scattered all over the globe because of the unbearable situation in their country. In particular, the delegation underlined the urgency of help to thousands of Eritrean asylum seekers still left in limbo in Israel which continually threatens to forcibly send them to any third country or back to Eritrea where they are not welcome.
In the memorandum submitted by the delegation for the attention of UK Foreign Secretary Boris Johnson and Her Majesty's Government, the EPDP expressed its strong belief that the UK could "initiative and lead the world community" towards implementing several international decision in regard to the extremely bad situation in Eritrea. The memo, among other things, stated that "the EPDP and the rest of the pro-democracy forces in exile also deserve the attention and support of the UK Government in empowering them towards becoming alternative democratic actors" and build a stable state in post-dictatorship Eritrea.
ልኡኽ ሰዲህኤ: ኣብ ቤት ጽሕፈት ወጻእን ሓባራዊ ዕዳጋን ምስ ሓላፊ ክፍሊ ምብራቕ ኣፍሪቃ ተራኺቡ
Tuesday, 24 April 2018 23:36 Written by ቤት ጽሕፈት ዜና ሰዲህኤኣቦ መንበር ሰልፊ ዲሞክራሲ ህዝቢ ኤርትራ (ሰዲህኤ)፡ ሓው መንግስተኣብ ኣስመሮም ዝመርሖ፡ ሓው ጐይትኦም መብራህቱ፡ ኣባል ሽማግለ ዞባ ኣውሮጳን ሓላፊ ጨንፈር ሰዲህኤ ዓባይ ብሪጣንያን ዝርከቦ ልኡኽ ሰልፊ ብ23 ሚያዝያ 2018 ምስ ኣቶ ኒክ ሃከት (Nick Hackett)፡ ሓላፊ ክፍሊ ጕዳያት ምብራቕ ኣፍሪቃ ኣብ ቤት ጽሕፈት ወጻኢን ሓባራዊ ዕዳጋን ዓባይ ብሪጣንያ ንሓደ ሰዓት ዝወሰደ ርክብ ኣካይዱ።
ልኡኽ ሰዲህኤ፡ ዘልዓሎል ጕዳያት፡ ንስደተኛታት ኤርትራ ብሓፈሻ፡ ኣብ እስራኤል ዝርከቡ ስደተኛታት ድማ ብፍላይ ዘጋጥሞም ዘሎ ጸገማት ብዝርዝር ገሊጹ። ንኤርትራውያን ስደተኛታት ናብ ዩጋንድ ይኹን ሩዋንዳ ወይ ዝዀነ ሳልሳይ ሃገር ምብራሮም ቅኑዕ ከምዘይኰነን፡ ኵለን ናይ ስደተኛታትን ዑቝባ ሓተትን ውዕል ዝኸተማ ሃገራት ሓላፍነቶም ክስከም ከምዝግባእ ተማሕጺኑ።
ቀጺሉ፡ ኤርትራውያን ስደተኛታት ናብ ሃገሮም ክምለሱ ይኹን ኣብ መደበራት ተዳጕኖም ንእስነቶም ከሕልፉ ስለዘይክእሉ ኢዮም ንህይወቶም ኣብ ሓደጋ ዘእቱ ምርጫታት ክወስዱ ዝግደዱ ዘለዉ ኢሉ። ነዚ ሽግር’ዚ ንምቅላል ኤርትራውያን ስደተኛታት ናይ ስራሕ፡ ናይ ሞያን ኣካድያማዊ ስልጠናን ዕድላት ክውሃቦምን ኣዘኻኺሩ። ኣብ ርእስ’ዚ፡ ኣብ ጐረባብቲ ሃገራት ዝርከባ ብኤርትራውያን ዝካያዳ ኣብያተ-ትምህርቲ ሓገዝ ክግበረለን ተላብዩ።
ልኡኽ ሰዲህኤ፡ ነቲ ኣብ መንጐ ኤርትራን ኢትዮጵያን ተኸሲቱ ንዝጸንሐ ጐንጺ ኣመልኪቱ፡ ኣህጕራዊ ማሕበረ-ሰብ ነቲ ኣብ ኢትዮጵያ ተፈጢሩ ዘሎ ናይ ለውጢ ዕድላት ተጠቒሙ፡ ነቲ ክሳብ ሕጂ ንረብሓታት ክልቲኡ ኣህዛብ ዘየገልግል ናይ ኣይሰላም ኣይኵናት ኵነታት ብዘላቒ ሰላም ክዛዘም ኵሉ ዝከኣሎ ጸቕጥታት ክገብር ኣተሓሳሲቡ።
EPDP Delegation Holds Public Meeting in London
Tuesday, 24 April 2018 21:53 Written by EPDP Information OfficeA delegation of the Eritrean People's Democratic Party (EPDP) currently on mission to the UK, on 22 April 2018 held a public meeting in London attended by prominent figures and leaders in the prolonged Eritrean struggle for democratic change.
Headed by the EPDP Chairman Menghesteab Asmerom, the delegation consisted of Central Council members Assefaw Berhe, Haile Woldu, and the EPDP UK Branch Chairman Goitom Mebrahtu.
Following introductory remarks by Mr. Goitom Mebrahtu, the EPDP Chairman conveyed his and his party warm greetings to meeting participants whom he also called for a minute of silence in memory of all Eritrean martyrs, and in particular in memory of EPDP Central Council member Mohammed Asselo who passed away early this month in Kassala, Sudan.
Opening his presentation by quoting Mr. Abdurazaq Mussa, who was one of the speakers at the recent London conference of the Eritrean National Dialogue Forum, , the EPDP Chairman underlined the importance of giving topmost priority to vision and method of leadership and definitely not to the person or group of persons in leadership posts. Looking at the identity (ethnic etc) of the leaders in our organizations will only serve the interests of the dictatorship in Eritrea which uses fear and mistrust as its main tools to prolong its stay in power.
He lists the commonly shared visions of the Eritrean people all Eritrean justice seeking organizations and movements and confirmed that their success will depend only on common and harmonious struggle based on mutual respect, trust and sincere dialogue. In further expounding the 4 June 2017 EPDP proposal for joint work, he called for starting joint work in areas like information work, diplomacy public mobilization.
EPDP Chairman Menghesteab Asmerom also re-affirmed his party's full support to the popular movements being initiated in several world regions because, he said, "No cause can success without the active participation of the broad masses".
He also alluded briefly to the true origins of the latest hiccups in his party which he said was harmful to the ongoing struggle for democratic change in Eritrea.
On his part, Mr. Assefaw Berhe, Central Council member and Deputy Head of Organizational Affairs, explained the Party Renewal programme underway in EPDP and the progress being made in identifying the shortcomings and strengths in the party institutions. He also seized the opportunity to call on Eritrean intellectuals to play a tangible work in correcting mistakes in the opposition camp by identifying wrong doings.
Meeting participants further enriched the discussions by engaging in frank-talk about the assumed strengths and shortcomings of the opposition organizations, including EPDP, and what could be done to overcome them.
ሰልፊ ዲሞክራሲ ህዝቢ ኤርትራ ኣብ ከተማ ለንደን ህዝባዊ ኣኼባ ኣካይዱ
Tuesday, 24 April 2018 01:32 Written by ቤት ጽሕፈት ዜና ሰዲህኤኣቦ መንበር ሰልፊ ዲሞክራሲ ህዝቢ ኤርትራ (ሰዲህኤ)፡ ሓው መንግስተኣብ ኣስመሮም ዝመርሖ፡ ኣባላት ማእከላይ ባይቶ፡ ሓው ኣሰፋው በርሀን ሓው ሃይለ ወልዱን፣ ከምኡ’ውን፡ ኣባል ዞባ ሽማግለ ኣውሮጳን ኣቦ መንበር ጨንፈር ዓባይ ብሪጣንያን፡ ሓው ጐይትኦም መብራህቱ ዝርከብዎ ልኡኽ ሰዲህኤ ብ22 ሚያዝያ 2018 ኣብ ከተማ ለንደን ህዝባዊ ኣኼባ ኣካይዱ።
ሓው ጐይትኦም መብራህቱ ናይ እንቋዕ ደሓን መጻእኩምን ናይ ምስጋናን መልእኽቲ ንዕዱማት ኣጋይሽ ድሕሪ ምትሕልላፍ መድረኽ ንኣቦ መንበር ሰልፊ ኣመሓላሊፍዎ።
ሓው መንግስተኣብ ኣስመሮም፡ ደጊሙ ንዕዱማት ኣጋይሽ ናይ ምስጋና መልእኽቲ ድሕሪ ምቕራብ፡ ኣኼበኛታት ንዝኽሪ ሰማእታት ብሓፈሻ፡ ንዝኽሪ ኣብ ቀረባ እዋን ዝተሰውአ፡ ኣባል ማእከላይ ባይቶ ሰዲህኤ፡ ተጋዳላይ መሓመድ ኣሰሎ ድማ ብፍላይ ንሓደ ደቂቕ ደው ክብሉ ጸዊዑ።
ቀጺሉ፡ ካብ’ቲ ኣብ ዋዕላ ሃገራዊ ዘተ ኤርትራ ኣብ ለንደን ብሓው ዓብዱልረዛቕ ሙሳ ዝቐረበ ወረቐት ብምጥቃስ፡ ንሕና ብኸመይ ንምራሕ እምበር፡ መን ይመርሓና፤ ወይ ድማ መራሒና ራእይ እምበር፡ ውልቀሰብ፡ ጕጅለ፡ ቦታ…ወዘተ ክኸውን የብሉን ዝብል ሓሳብ ብምጥቃስ ኢዩ ጀሚርዎም። ካብ’ዚ ተበጊሱ ድማ፡ ራእይ ናይ ዲክታቶርያዊ ስርዓት ኤርትራ፡ ዕድመ ስልጣኑ ምንዋሕን ረብሓኡን ረብሓ ናይ’ቶም ውሑዳት መጋበርያታቱን ምሕላውን ጥራሕ ምዃኑ ሓቢሩ። ነዚ ንምርግጋጽ ዝጥቀመሎም ስልትታት ከኣ፡ ኣብ ህዝቢ ፍርሕን ዘይምትእምማንን ከምዝነግሱ ብምግባር ህዝቢ ብ”ሰላም” ይነብር ኣሎ ዝብል ናይ ሓሶት ፕርፖጋንዳ ምዝርጋሕን ምዃኑ ኣረዲኡ።
ራእይ ናይ’ቲ ሰፊሕ ህዝብን ደለይቲ ፍትሒ ዝዀኑ ተቓወምቲ ውድባቱን ግን፡ ሓቀኛ ሰላም፡ ፍትሒ፡ ብልጽግና ምርግጋጽን ሰብኣዊ መሰላት ዜጋታት ምኽባርን ኢዩ ኢሉ። እዚ ራእይ’ዚ ብምፍልላይ ዘይኰነ ብሓድነት፡ ብምንጽጻግ ዘይኰነ ብልዝብን ምቅርራብን፡ ብምፍርራሕ ዘይኰነ ብምትዕግጋብ ዝረጋገጽ ምዃኑ ከኣ ኣብሪሁ።
ኣስዒቡ፡ ተቓወምቲ ውድባት፡ ኵሎም ኣብ ዝሰማምዕሎም ነጥብታት ዝተመርኰሰ ሓባራዊ ዕዮ ክጅምሩ፡ ሓድነቶም ንምድልዳል፡ ኣብ ህዝባዊ፡ ዲፕሎማስያውን ዜናውን መዳይ ሓቢሮም ክዋስኡን ህጹጽ ኣድላዪነት ከምዘለዎ ኣስሚርሉ። ምስ’ዚ ብምዝማድ፡ እማመ ሰዲህኤ ንሓባራዊ ዕዮ ብዝርዝር ገሊጹ።
ሓው መንግስተኣብ ኣስመሮም ብምቕጻል፡ ብዘይ ተሳትፎ ናይ ህዝቢ ዝረጋገጽ ለውጢ ፈጺሙ ከምዘየለ ብምስማር፡ ህዝቢ ተጻባዪ ዘይኰነስ ሓቀኛ ናይ ለውጢ ተዋሳኢ ክኸውን ከምዘለዎ ኣገንዚቡ። ካብ’ዚ ብምብጋስ፡ ነቶም ኣብ ዝተፈላለዩ ሃገራትን ከተማታትን ዝካየዱ ዘለዉ ህዝባዊ ምጥርናፋትን ህዝባዊ ተበግሶታትን ሰዲህኤ ደጋፊኦም ምዃኑ ሓቢሩ።
ኣብ መወዳእታ፡ ነቲ ኣብ ሰዲህኤ ዘጋጠመ ምፍንጫል ኣመልኪቱ፡ መበገሲታቱ ድሕሪ ምብራህ፡ ንቓልሲ ኣንጻር ምልካዊ ስርዓት ብኣሉታ ዝጸሉ ተረኽቦ ምዃኑ ኣብሪሁ።
ሓው ኣሰፋው በርሀ፡ ኣባል ማእከላይ ባይቶን ምኽትል ሓላፊ ቤት ጽሕፈት ውድባዊ ጕዳያትን ሰዲህኤ፡ ንሓያልን ድኹምን ጐድንታት ሰልፍናን ትካላቱን ናይ ምድህሳስን ናይ ምሕዳስን መስርሕ ሓንጺጹ ብዕቱብ ክሰርሓሉ ጀሚሩ ከምዘሎ ኣስፊሑ ገሊጹ።
ኤርትራውያን ምሁራት፡ ንፍልልያት ኣብ ምጽባብን ንዝፍጸሙ ጌጋታት ኣለልዮም ኣብ ምእራምን ግዲኦም ክጻወቱ ድማ ኣዘኻኺሩ።
ናይ ሕቶን ርእይቶን መድረኽ ምስ ተኸፍተ፡ ኣኼበኛታት ንዝርኣዮም ጕድለታት ተቓወምቲ ውድባት ብሓፈሻ፡ ንኣወንታውን ኣሉታውን ጐድንታት ናይ ሰዲህኤ ድማ ብፍላይ ዝምልከት ዘለዎም ስምዒታትን ተረድኦታትን ከይተሸቝረሩ ገሊጾም።
ኣባላት መሪሕነት ሰዲህኤ ድማ፡ ተሓጋጊዞም ንዝቐረበሎም ሕቶታት መሊሶምን ንክበርሁ ኣለዎም ዝበልዎም ጕዳያት ብግልጺ ብምቕራብን ኣኼባ ብምርድዳእን ምትዕግጋብን ተዛዚሙ።
ኣቦ መንበር ሰዲህኤ ንሓዳስ ኣደመንበር ማዲሰ ሕውነታዊ ናይ ሓጐስ መልእኽቲ ልኢኹ
Monday, 23 April 2018 22:33 Written by ቤት ጽሕፈት ዜና ሰዲህኤማሕበራዊ ዲሞክራስያዊ ሰልፊ ጀርመን ኣብ ናይ 154 ዓመት ታሪኹ ንመጀመርያ ግዜ ብ22 ማዝያ 2018 ኣብ ዘካየዶ ፍሉይ ጉባኤ ወይዘሮ ኣንድርያ ናለስ ናይ መጀመርያ ጓለንስተይቲ ኣደ መንበር መሪጽወን።
ኣቦ መንበር ሰልፊ ዲሞክራሲ ህዝቢ ኤርትራ (ሰዲህኤ) ኣቶ መንግስተኣብ ኣስመሮም ነዚ ታሪኻዊ ፍጻመ ኣብ ግምት ብምእታው ናብተን ኣደ መንበርን መሪሕነት እቲ ሰልፍን ናይ እንኳዕ ኣሕጐሰኩም መልእኽቲ ልኢኹ። ኣብቲ መልእኽቱ ሰልፎም ኣብ ጀርመንን ዓለምን ምስቲ ኣብዚ እዋንዚ ዝረአ ዘሎ ተደራራቢ ብደሆታት ታሪኻዊ ግደኡ ንክጻውት፡ ክሕደስ ዳግማይ ክሰምርን ክሕብርን ዘለዎ ሰናይ ትምኒት ገሊጹ።
እዚ ብ23 ማዝያ 2018 ናብ ማሕበራዊ ዲሞክራስያዊ ሰልፊ ጀርመን ዝተላእከ መልእኽቲ ምሕዝነትን ሰናይ ትምኒትን ኣቦ መንበር ሰዲህኤ፡ እቶም ኣንጻር ኣብ ኤርትራ ዘሎ ዲክታቶርያዊ ምምሕዳር ዝቃለሱ ዘለዉ ኤርትራውያን ተቓወምቲ ነቲ ኣብ ኤውሮጳን ካልእ ከባብታትን ብዲሞክራስያዊ ሓይልታት ዘጋጥም ዘሎ ቅልውላው ብግቡእ ከም ዝርድእዎ ገሊጹ።
ምስዚ ኩሉ ሰዲህኤን ካለኦት ደለይቲ ፍትሒ ኤርትራውያን ሓይልታትን ማሕበራዊ ዲሞክራስያዊ ሰልፊ ጀርመን ኣብ ኤውሮጳን ንኤርትራ ወሲኽካ ኣብ ካልእ ከባብታትን ነቲ ንዝሓለፈ ዝያዳ ዕስራ ዓመታት ሕማቕ ፖለቲካዊ መርእያ ኣፍሪቃ ኮይኑ ዝጸነሐ ኩነታት ንምቕያር ንከኽእል ዲሞክራስያዊ ሓይልታት ንምሕያል ማእከላይ ግደ ንክጻውት እምነት ከም ዘለዎም ጠቒሱ።
EPDP Chairman Congratulates Newly Elected Chairwoman of Fraternal SPD
Monday, 23 April 2018 18:58 Written by EPDP Information OfficeFor the first time in its 154-year history, the German Social Democratic Party/SPD, has a woman, Ms Andrea Nahles, to head the party at its special congress held on 22 APRIL 2018.
Reacting to this historic event, EPDP Chairman Menghesteab Asmerom, send a congratulatory message to the new SPD Chairwoman and the party leadership wishing them all the success "to reform, re-unite and strengthen" the party to play its historic in Germany and the rest of the world which is "currently facing multiple challenges".
Addressed to the SPD on 23 April, the EPDP Chairman's message of solidarity and good wishes also noted that Eritreans opposed to the dictatorship in their country are "fully aware of the political crises faced by democratic forces in Europe and beyond it."
However, EPDP and the rest of Eritrean justice seekers are also confident that SPD can play a central role in "empowering progressive forces in Europe and the rest of the world" including Eritrea, "which has been for over two decades the worst example in the already bad African political condition and human rights abuses".
EPDP Mission to Israel Concluded with Success; New Youth-Driven Party Zone Is Formed
Friday, 20 April 2018 22:25 Written by EPDP Information OfficeThe delegation of the Eritrean People's Democratic Party (EPDP) which arrived in Tel Aviv on 31 March has successfully wrapped up its mission to Israel with a well-attended public meeting held on 13 April 2018.
The delegation, consisting of EPDP Central Council members Ms Feven Gideon and Mr. Tuku Tesfai, spoke in great detail about the solidly formulated EPDP structure with law-abiding constitutional practices; its principles enshrined in the Political Programme adopted at its congress of 2015 as well as the 4 June 2017 EPDP proposal for joint work with sister organizations . Also explained were some of the EPDP services to vulnerable groups of Eritreans like the refugee school at Wad-Sherifey in the Eritrea-Sudan border. Meeting participants expressed their great satisfaction with what they heard from the EPDP delegation.
The EPDP delegation has succeeded to enlist in the EPDP ranks a good number of young Eritreans in Israel who have already formed a region Party Zone headed by an existing EPDP member, youthful Tesfai Tseggai. This spectacular development is a clear evidence of the high level of determination of the young Eritrean generation to struggle for justice and a better Eritrea.
During its two-week mission to Israel, the EPDP delegation met and discussed with representatives of organized Eritrean social and political groups and individuals about the prevailing situation of asylum seekers in Israel and what measures could be followed to find better solutions.
At the public meeting as well At group discussions, one-to-one talks as well as at the public meeting, the EPDP was described as a party providing the right services to people in need and representing the wishes and aspirations of the Eritrean people of the people.
Known for their warm friendship and conviviality, EPDP CC members Feven and Tuku succeeded to knock at many doors of Eritreans in Israel and were told by their hosts that they will struggle with determination on the ranks of the EPDP whever they may be: "even if they are sent back to the monster in Eritrea".
ልኡኽ ሰልፊ ዲሞክራሲ ህዝቢ ኤርትራ (ሰ.ዲ.ህ.ኤ.) ዑደቱ ናብ ሃገር እስራኤል ብዓወት ዛዚሙ
Friday, 20 April 2018 06:47 Written by ክፍሊ ዜናን ባህልን ሰ.ዲ.ህ.ኤ.ልኡኽ ሰልፊ ዲሞክራሲ ህዝቢ ኤርትራ (ሰ.ዲ.ህ.ኤ.) ብዕለት 31 መጋቢት ናብ ሃገር እስራኤል ዝጀመሮ ዑደት ብዕለት 13 ሚያዝያ ብሰፊሕን ዕውትን ህዝባዊ ኣኼባ ተዛዚሙ።
እብዚ ብዝሓት መንእሰያት ዝዓሰሎ ህዝባዊ ኣኼባ ልኡኽ ሰ.ዲ.ህ.ኤ. ቅዋማዊ ኣሰራርሓ ሰልፍን፣ ፖለቲኣዊ ፕሮግራምን፣ ናይ ሓድነት እማሜን ብዑምቆት ገሊጹ። ኣብ ርእሲኡ ሰ.ዲ.ህ.ኤ. ንህዝቢ ዘበርክቶም ዘሎ ኣገልግሎት ከም በዓል ቤት ትምህርቲ ወዲ ሸሪፎይ፣ ናይ ማዕዶ ወላዲ …ወዘተ ዝኣመሰሉ ብሰፊሕ ኣብሪሁ። ኣኼበኛ ንገለጻ ልኡኽ ምስ ሰምዔ ኣድናቆቱን ደገፉን ንሰ.ዲ.ህ.ኤ. ገሊጹ።
ልኡኽ ሰ.ዲ.ህ.ኤ. ኣብዚ ታሪኻዊ ዑደቱ ንኤትራውያን ተቀማጦ ሃገር እስራኤል ኣብ ሓጺር ግዜ ብዞባ ድረጃ ክሰርዕ ምብቅዑ እዩ። ኣቦ መንበር ዞባ ከኣ ሓው ጸጋይ ተስፋይ እዩ። እዚ ተራእዮዚ ዝምስክሮ እንተሎ መንእሰይ ኤርትራዊ ጸበብኡ ብዘይገድሽ ንፍትሕን ራህዋን ክውፈ ድሉው ምዃኑ እዩ።
ልኡኽ ሰ.ዲ.ህ.ኤ. ኣብ እስራኤል ኣብ ዝጸአንሓሉ ግዜ ምስ ኤርትራውያን ዜጋታትን፣ ውድባትን፣ ማሕበራትን፣ ደቂ ኣንስትዮን ተራኺቡ ንኵነታቶም ዘርእዩ ኣርእስታት ተመያይጦም። ከምኡ’ውን ምስ እስራኤላውያን ዜጋታት ተጣበአቅቲ መሰል ደቂ ሰባት ተራኺቦም ብዛዕባ ህልው ኵነታት ኤርትራውያን ኣብ እስራኤል ተመያይጦም።
ኣብ መጨረሻ ኤትራውያን ተቀማጦ ሃገር እስራኤል ንልኡኽ ሰ.ዲ.ህ.ኤ ብድምቀት እዮም ተቀቢለሞም። ንሰ.ዲ.ህ.ኤ እውን ሓላይ ህዝቡን፣ ህዝባዊ መደባት ዝሓዘን፣ ንህዝቢ ዝውክልን ኢሎም ገሊጾሞ። ተልእኮ ሰ.ዲ.ህ.ኤ ንኣጽናቲ መደባት ህግደፍ ምስ ህዝብና ብሓደ ኢድን ጓንትን ኮይና ምፍሻሉ እዩ።
ተሳትፎ ናይ ኩሉ ህዝቢ ጥፍኣት ህግደፍ እዩ።