ኣስተምህሮ ቤ/ጽ ማሕበራዊ ጉዳያት ሰዲህኤ
2025-04-26 21:38:56 Written by ቤት ጽሕፈት ዜና ሰዲህኤ Published in ጽሑፋት ትግርኛ Read 78 timesጥምሮ ኣብያተ-ጽሕፈት ጉዳያት ውደባዊ፡ ደቂ ኣንስትዮን መንእስያትን ሰልፊ ዲሞክራሲ ህዝቢ ኤርትራ (ሰዲህኤ) ኣብ ዝወደቦ ወርሓዊ መድረኽ 26 ምያዝያ 2025 ንቤት ጽሕፈት ማሕበራዊ ጉዳያት ዝምልከት ኣስተምህሮ ተዋሂቡ። ኣብዚ ኣባላት ሰዲህኤ ዝተሳትፍሉ ኣስተምህሮ፡ ሓላፊ ቤት ጽሕፈት ማሕበራዊ ጉዳይ ብጻይ ፍሰሃየ ሓጐስ ተልእኮን ኣቓውማ ምምሕዳር ናይቲ ቤት ጽሕፈትን ብመሰረት ቅዋም ሰልፊ ኣሰራርሓኡን ብምጥቃስ መበገሲ ሓሳብ ኣቕሪቡ።
ኣብ ኣስተምህሮኡ ዝያዳ ኣተኩሮ ዝሃቦም ክፍልታት ናይቲ ቤት ጽሕፈት፡ ንትምህርቲ፡ ናይ ማዕዶ ወለዲ፡ ንስደተኛታት ዝምልከቱ ክኾኑ እንከለዉ፡ ብሰንኪ ውግእ ሱዳን ንዝተመዛበሉን ካልእ ማሕበራዊ ጸገማት ንዘጋጠሞምን ኣባላት ሰዲህኤ ንምሕጋዝ ክግበር ዝጸንሐ ጻዕርን ዝምልከቱ ዛዕባታት ኮይኖም፡ ብዛዕባ ነፍሲ ወከፎም ድማ ዝርዝራዊ መግለጺ ሂቡ። ምስዚ ብምትሕሓዝ ኣባላት ሰልፊ ንናጻ ማሕበር ኣካለ ጽጉማና ኤርትራ የበርክትዎ ግደውን ጠቂሱ።
ብዛዕባ ነፍሲ ወከፍ ክፍሊ ኣብ ዝሃቦ መብርሂ፡ ኣገባብ ምምሕዳሩን ኣመራርሕኡን ከምኡ እውን ዝኽፈተሉን ዝዕጸወሉ ግዜ ብምጥቃስ፡ ኣብዚ እዋንዚ ኣብ ቤት ትምህርቲ ወዲ ሸሪፈይ ኣስታት 700 ተመሃሮ ኣብ መኣዲ ትምህርቲ ከም ዘለዉ ሓቢሩ። እዚ ቤት ትምህርቲ ብሰንክቲ ኣብ ሱዳን ዘጋጠመ ውግእ ንዝተወሰነ ግዜ ተዓጽዩ ከም ዝነበረ እውን ጠቒሱ። ብዘይካዚ በብግዜኡ ኣብቲ ቤት ትምህርቲ ዘጋጥሙ ብደሆታትን ንምፍተሖም ዝግበር ጻዕርታትን ዝምልከት ኣብሪሁ።
ታሪኽ ኤርትራውያን ስደተኛታት ኣብ ሱዳን ካብ 1967 ከም ዝጅምር ብምጥቃስ ከኣ፡ እቲ ጠንቂ መግዛእቲ ኣብ ልዕሊ ኤርትራውያን ዝፍጽሞ ዝነበረ ጨፍጫፍ ምዃኑ ኣዘኻኺሩ። ከምኡ ድማ ብዛዕባቲ በብግዜኡ ንኤርትራውያን ስደተኛታት ኣብ ዝተፈላለዩ ሃገራት ከጋጥሞም ዝጸንሐን ጌና ዘሎን ብደሆታትን ክሳብ ሎሚ ዘለዉዎ ኩነታትን ዘርኢ ሓበሬታ ሂቡ። ኣተሓሒዙ ድማ ድሕረ-ባይታ ስደት ኤርትራውያን ዝድህስስ ሰነድ በቲ ቤት ጽሕፈት ተዳልዩ ምዝርግሑ ኣገንዚቡ።
ኣተሓሒዙ ድማ በብግዜኡ ንኣባላት ሰዲህኤ ዘጋጥምዎም ዝተፈላልዩ ማሕበራዊ ጸገማት ኣብ ምፍታሕን ምጽጋን ቤት ትምህርቲ ወዲ ሰሪፈይን ዝውዕል ሓገዝ ንዘበርከቱ ኣባላት ሰልፍን ዝተፈላለዩ ገበርቲ ሰናይ ኣካላትን፡ ዘርእይዎ ልግስን ነቲ ሓገዝ ንምምቕራሕ ዝካየድ ኣሰራርሓን ዝምልከት መግለጺ ኣቕሪቡ። ነቶም በብግዜኡ ዝልግሱ ኣባላትን ኣካላትን ንኢዱ ልግሶም ኣብ መጻኢ እውን ንክቕጽልዎ ጸዊዑ።
ድሕሪቲ መበገሲ ሓሳብ ምቕራቡ፡ ኣብ ዝተኸፍተ መድረኽ ናይ ተሳተፍቲ፡ ብደሆታት ናይቲ ቤት ጽሕፈት ማሕበራዊ ጉዳያት እንታይ እዮም?፡ ንስደተኛታት ኣብ ዝምልከት ዳህሳሱ ምሉእ ምእንቲ ክኸውን ቆላሕታ ክገብረሉ ዝግበኦ ከባብታት፡ ኣብ ወዲ ሸሪፈይ ተማሂሮም ኣብ ዝለዓለ ደረጃ ዝበጽሑ ምሁራት ተመሊሶም ሓገዝቲ ዝኾንሉ ኩነታት ብኸመይ ይፍጠር? ህልዊ ኩነታትን ብዝሕን ስደተኛታት ንምፍላጥ ብኸመይ ብቐጻሊ ይጽናዕ? ዝብልን ዝኣመሰሉን ሕቶታት ቀሪቦም’ ሓላፊ ቤት ጽሕፈት ብጻይ ፍሰሃየ ሓጎስን ምክትል ሓላፊ ምምሕዳር ናይቲ ቤት ጽሕፈት ብጻይ ግርማይ ተመስገን ቀሽን ዝርዝራዊ መልሲ ሂቦም። ስዒቡ ቤት ትምህርቲ ዋዲ ሸሪፎይ ንምቕጻልን ንምድንፋዕን ክሕግዙ ዝኽእሉ ዝተፈላለዩ ሓሳባትን ለበዋታትን ተሳተፍቲ ኣኼባ ኣቕሪቦም።
ኣብቲ ኣኼባ; ቅድሚ 33 ዓመታት፡ ብ26 ሚያዝያ ካብ ከተማ ከሰላ ብጨወይቲ ኣካላት ህዝባዊ ግንባር ሓርነት ኤርትራ ምስተሰወሩ ክሳብ ሎሚ ደሃዮም ዘይተፈልጠ፡ ሓርበኛታት ተኽለብርሃን ገብረጻድቕን ወልደማርያም ባህልብን ከምኡ እውን ከም መሓመድ ዓሊ ኢብራሂም ዝኣመሰሉ ኣብ ዝተፈላለዩ እዋናት ተጨውዮም ደሃዮም ዝጠፈአ ግዳያት ተዘኪሮም።