ሓላፊ ቤት ጽሕፈት ጕዳያት ወጻኢ ኣመሪካ፡ ኣቶ ረክስ ስቲረልሰን፡ ን37 ሃገራት ኣፍሪቃ ንኣኼባ ኣብ ዋሺንግተን ዲሲ ዓዲምወን ኣሎ። እቲ ዋዕላ፡ ብዛዕባ ንግድን ወፍሪ ርእሰማልን፡ ከምኡ’ውን፡ ብዛዕባ ጸረ ሽበራን ሰናይ ምምሕዳር ክኸውን ምዃኑ ተሓቢሩ ኣሎ።

ንኤርትራን ኢትዮጵያን ብዝምልከት፡ ምኽትል ሓላፊ ወጻኢ ኣመሪካ ኣብ ጕዳያት ኣፍሪቃ፡ ኣቶ ዶናልድ ያማማቶ፡ ኣብ መንጐ ኤርትራን ኢትዮጵያን ዘሎ ውጥረት ንምህዳእን ሰላምን ጸጥታን ንምስፋንን ንሰርሕ ኣሎና፤ ኣመሪካ ነቲ ጕዳይ መፍትሒ ንምርካብ ቆሪጻ ተበጊሳ ኣላ፤ ኤርትራን ኢትዮጵያን ድማ ነቲ ወጥሪ ንምፍታሕ ድልውነተን ገሊጸን ኣለዋ ኢሉ።

15 ሃገራት ዝኣባላቱ ባይቶ ጸጥታ ሕቡራት ሃገራት (UNSC) ብሰሉስ 14 ሕዳር 2017 ዓ.ም ኣብ ዘካየዶ መጋባእያ፡ ነቲ ናይ ኣጽዋር ውግእ እገዳ ሶማልያን ኤርትራን ንክናዋሕ ዘኽእል ውሳኔ ቍጽሪ 2385 ኣጽዲቕዎ።

 

ነዚ ውሳኔ’ዚ 11 ኣባላት ሃገራት ባይቶ ጸጥታ ደጊፈንኦ፡ ዝተቓወምት ሃገር ኣይነበረትን፡ 4 ድማ ናይ ድምጺ ተዓቅቦ ገይረን። እተን ናይ ድምጺ ተዓቅቦ ዝገበራ ሃገራት ሩስያ፡ ቺና፡ ግብጽን ቦሊቭያን ኢየን።

 

ነቲ ንድፊ ውሳኔ ዘቕረበት ዓዲ እንግሊዝ ኰይና፡ ኣምባሳደራ ኣብ ሕቡራት ሃገራት፡ ንኤርትራ ምስ ኮሚቴ እገዳ ሕቡራት ሃገራትን ምስ ፍልይቲ ኮሚሽን ሰብኣዊ መሰላትን ንኽተሓባበር መጸዋዕታኡ ኣቕሪቡ ኣሎ።

እቲ እገዳ ካብ ዝጅምር 8 ዓመቱ ኣቝጺሩ ኣሎ።

 

U.N. Security Council renews arms sanctions on Eritrea and Somalia

Eritrea

The United Nations Security Council (UNSC) on Tuesday voted to extend an arms embargo imposed on Eritrea and Somalia.

The fifteen-member UNSC in a majority vote of 11 as against four abstentions adopted resolution 2385 to renew sanctions regime against the two Horn of Africa nations.

According to Sebastiano Cardi, the Italian ambassador to the U.N., the current extension spells out of further reviewing both regimes in the coming months.

The decision of the council comes barely a week after a panel of experts called for the lifting of sanctions particularly on Eritrea. The panel in a report said there was no conclusive evidence that Eritrea was supporting al-Qaeda linked insurgents Al-Shabaab group based in Somalia.

A United States – backed resolution led to the imposition of arms sanctions on Eritrea in 2009, with the main reason being their alleged support for Al-Shabaab. Eritrea has described the sanctions as ‘useless and unjustified.’

Somalia on the other hand are also under a sanction regime despite being the biggest sufferer of attacks by al-Shabaab. Security watchers say the arms embargo is partly to blame for the inability to effectively match rampaging insurgents.

The Horn of Africa region is generally one that has complex security issues. Ethiopia has internal crisis to deal with aside its border tensions with Eritrea. It is also actively engaged in the fight against Al-Shabaab inside Somalia. It is, however, at peace with Sudan and Djibouti.

Source=http://www.africanews.com/2017/11/15/un-security-council-renews-arms-sanctions-on-eritrea-and-somalia/

On 12 November 2017, the administrative committee of the Foreign Relations Office of the Eritrean People's Democratic Party (EPDP) held an important regular meeting attended by representatives of the Office's sub-committees formed in many regions of the world.

 

Agenda for this meeting, held in the aftermath of the conclusion of the 8th regular meeting of the EPDP Central Council, included the following items: exchange of situation reports; summary presentation of the annual report of the Office for 2016-2017 which was earlier reviewed by the CC; the New Action Plan for the Foreign Relations Office for the year ahead; review of the structure of regional committees, and enhancing their role in new party projects for the future (such as the proposal for joint action with other sister organizations and the Party Renewal Plan.)

Each regional representative made brief presentation giving a picture of their respective situations and activities. This was followed by a discussion on the summary of the annual report of the Office as presented to the 8th regular meeting of the EPDP Central Council. Below are a few points gleaned from the report covering August 2016 to July 2017:

Memoranda:   During the 12 months of the period under review, the Foreign Relations Office submitted 27 memoranda on different Eritrea-related issues to various governments, parties, UN agencies, the African Union and other global and regional organizations. Of these, four memoranda were sent to different German institutions; three to Holland; three to Switzerland; two each to Sweden; UN agencies and the Progressive Alliance; and one memorandum to each the African Union; Ethiopia; Sudan; Somalia; State of Qatar; Italy; France; UK; Belgium; Norway and Denmark. It was also cited that the EPDP sent a grand total 134 such memoranda since the first party congress of July 2011.

Official Tours/Meetings: During the past year, EPDP conducted 13 officials tours/meetings with different parties and governments. Seven of the tours/meetings were to/with UN agencies; two with EU/Brussels; two in Gothenburg/Sweden; two to/in Berlin and Dortmund/Germany. The total visits in the past six years reached 72 including to places like Niami/Niger and Tunis/Tunisia. On top of this, the EPDP conducted 22 public diplomacy events. These include seminars and conferences at which Eritreans and non-Eritreans take part to discuss issues related to Eritrean refugees and the situation at home.

Publications:- Also during the period under review, the Foreign Office published and distributed six issues of Liberty, an English-language magazine containing mainly diplomatic efforts of the party. Also distributed to diplomatic circles were video clips and written materials on the Eritrean situation. The office published 36 issues of the English magazine since its first congress six years ago.

The Foreign Office Committee meeting also discussed the new work plan for the year ahead ending July 2018, and enriched it by proposing some details relevant to the situation of each EPDP regional committee.

Furthermore, the meeting urged that each Foreign Office sub-committee as well as each and every EPDP branch/zone in Australia, Middle East, Africa, Europe and North America to take very seriously the June 4 2017 party proposal for joint work with other sister organizations. Likewise, it called upon all party organs to start effectively implementing the upcoming Party Renewal plan being enhanced by the Commission for Party Renewal and scheduled to be reviewed every two months at extraordinary meetings of the EPDP Central Committee.

ሎሚ መዓልቲ ሰኑይ 13 ሕዳር 2017 ኣብ ዝተፈላለየ ቦታታት በይ-ኤርያ ዝነብሩ ደለይቲ ፍትሒ ኤርትራውያን ብበይ-ኤርያ ኤርትርውያን ንዲሞክራስያዊ ለውጢ ዝተጸወዐ፡ ኣብ ከተማ ሳን-ፍራንሲስኮ ዕዉት ሰላማዊ ሰልፊ ኣካይዶም። ዓላማ ናይ’ዚ ሰላማዊ ሰልፊ’ዚ ነቲ ኣብ ከተማ ኣስመራ ብዕለት 31 ጥቅምቲ ዝተራእየ ህዝባዊ ተቓውሞ ንምድጋፍ እዩ ኔሩ።

SanFranDemo2

ብምኽንያት ስርዓት ህግዲፍ ኣብ ልዕሊ ቤት-ትምህርቲ ኣል ዲያእ ኣልእስላሚያ ዝወሰዶ ዓማጺ ስጉምቲ፡ ጅግና ኣቦና ሓጅ ሙሳ መሓመድኑር ብዘርኣይዎ ተባዕ መኸተ ኣብ 93 ዓመቶም ከምቶም ዝቐደሙ ኣሕዋቶም ኣብ ቤት ማእሰርቲ ከምእተዳጎኑ ኩሉ ዝፈልጦ ሓቂ እዩ። በዚ ጨካን ኣብ ልዕሊ ኣቦና ሓጅ ሙሳ እተወስደ ስጉምቲ ዝተቖጠዐ ህዝብና ምረቱ ንምግላጽ ብ31 ሕዳር ስላማዊ ሰልፊ ኣካይዱ። እንተኾነ ግን እቲ ዝኾነ ይኹን ሰብኣዊ መሰል ዘየኽብር መላኺ ስርዓት ህግዲፍ ነቲ ሰላማዊ ሰልፊ ብተዅሲታት በቲኑዎ ጥራሕ ዘይኮነ ንብዙሓት ንጹሃት ዜጋታት ከምዝኣሰረን ጌና ይኣስር ከምዘሎን ተረጋጊጹ ኣሎ።

SanFranDemo3ኣብርእሲ እቲ ኩሉ እከይ ተግባራቱ፡ መላኺ ስርዓት ኤርትራ እቲ ሰላማዊ ሰልፊ ሃይማኖታዊ እዩ ብምባል ንህዝብና ብሃይማኖት ክፈላልየና ህርድግ ይብል ኣሎ። እንተኾነ ግን ህዝቢ በይ-ኤርያ ልክዕ ከምቲ ኣብ ዝተፈላለየ ኩርናዓት ዓለም ዘሎ ህዝብና ዘርእዮ ዘሎ ጽንዓት ብምርኣይ “ሕቶ ቤት-ትምህርቲ ኣል ዲያእ ኣል እስላሚያ ሕቶ ሰብኣዊ መሰል እዩ” “እሱራት ይፈትሑ” “ንሕና ኤርትራውያን ኢና፡ ኣስላም ኢና፡ ክርስትያን ኢና፡ ምፍልላይ ኣይንፈቅድን” “ኣቦና ሓጅ ሙሳ ይፈትሑ፡ ኣቦና ፓትሪያርክ ኣንጦንዮስ ይፈትሑ” “እወ ንፍትሒ፡ እምቢ ንምልኪ” “እምነት ገበን ኣይኮነን” “ሕልናኹም ኣበይ ኣሎ” “ስልጣን ንህዝቢ ይረከብ” “ሰራዊት ኤርትራ ምስ ህዝብኻ ወግን” ብዝብል ጭርሖታቱ ኣብ ናይ ህግዲፍ መጻወድያ ከምዘይኣቱ ኣረጋጊጹ። ቀንዲ መለለዪ ናይ ሎሚ መዓልቲ ሰላማዊ ሰልፊ፡ ነቲ ህግዲፍ ኣብ ህዝብና ከእትዎን ክስርጾን ዝህቅን ዘሎ ሃይማኖታዊ ምፍንጫል ዝሰዓረ ምዃኑ እዩ።

ኣብ’ዚ ዕዉት ሰላማዊ ሰልፊ’ዚ ኣባላት ሰልፊ ዲሞክራሲ ህዝቢ ኤርትራ ከምኡ’ውን ኣብ በይ-ኤርያ ዝርከቡ ኣብላት ተቓውሞ ውድባት ተሳቲፎም። መደረታት ካብ ዘቕረቡ ሓንቲ ኣባል ሰልፊ ወይዘሮ ኣስገደት ምሕረትኣብ ኔራ።

13 ሕዳር 2017          

SanFranDemo4

ርእሰ ዓንቀጽ ሰዲህኤ 

“ንላዘብ ምኽሪ ንኽርከብ” ዝብል ምስላ ወለድና፡ ሎሚ እውን ቁምነገሩ ህያው እዩ። ዘይምርኻብ ዘስዕቦ ኣሉታ ንምንጽብራቕ ከኣ “ካብ ዓይኒ ዝገለለ ካብ ልቢ ገለለ” ይበሃል። እቲ ርክብን ልዝብን ግና ፍንዉን ኣብ ዝኾነ መንገዲ ዝግበር ዘይኮነ፡ ናይ ገዛእ ርእሱ ዝግዘኣሉ ሕግታት ኣለዎ። እቲ ማሕበራዊ ረብሓ ርክብ ከም ርዱእ ወሲድና፡ ርክብ ኣብ ፖለቲካዊ መዳይ ኣድማዒ ንክኸውን ክኽተሎ ዝግበኦ፡ ቀጥዒ፡ ኣሰራርሓን ስርዒታዊ ኣተገባብራን ኣለዎ።

እዚ ርክብ ኣብ መንጎ ፖለቲካዊ ውድባት፡ ሰልፍታትን ማሕበራትን ክዝውተር ይኽእል። ኣድማዒ ውጽኢት ንክህልዎ ከኣ ተሓታትነቱ ዘነጸረ ክኸውን ናይ ግድን እዩ። እቲ ብውልቂ ዝግበር ርክብ ውልቃዊ ተሓታትነት ይህልዎ። ብስም ሓደ ትካል ዝግበር ርክብ ከኣ ትካላዊ ኣፍልጦ ሃልይዎ ትካላዊ ተሓታትነት ዘስዕብ እዩ። እቲ ብስም ሰልፋዊ ድዩ ውድባዊ ትካል ዝግበር ርክብ ብስርዒታዊ ኣካላት ናይቲ ትካል ኣፍልጦ ክረክብ ይግበኦ። ንርክብ ክትዳሎ እንከለኻ ከሎ ጌና ነቲ ካብቲ እትራኸቦ ኣካል ዝመጽእ ካብ ናትካ ዝተፈልየ ርኢቶ ቦታ ክትህብን ከተኽብርን ምድላው የድሊ።

ኣብ ፖለቲካዊ ዛዕባ ኣብ መንጎ ውልቀ ሰባት ኮነ ውዳበታት ርክብ ክግበር እንከሎ፡ ኣብ ገሊኡ ዛዕባታት ስምምዕ ኣብ ገሊኡ ድማ ፍልልይ ከጋጥም ከም ርዱእ እትጽበዮ እዩ። ምኽንያቱ ከምኡ እንተዘይከውን ካብ ኣብ ሓደ ውድብ ወይ ሰልፊ ንላዕሊ ኣይመተወደብናን። ፍልልያት ምውጋድ’ኳ እንተዘይተኻእለ ኣከኣኢልካን ኣከባቢርካን ምሓዙ ከም ዝከኣል ግና ኣብ ብዙሕ ተመኩሮታት ተረጋጊጹ እዩ። ናትና ናይ ፍልልያት ኮነ ስምምዓት ኣተሓሕዛ’ውን ካብዚ ወጻኢ ዝርአ ኣይኮነን። እቲ ሓቂ እዚ ክነሱ ንሕናኸ በቒዕናዮዶ ኣይፋልናን? ዝብል ሕቶ ንምምላስ ከካብ ተመኩሮና ነቒልና ነቲ ንዋሰኣሉ ዘለና ፖለቲካዊ ትካላት እውን ክንምርምሮ ይግበኣና። ካብቲ መርሚርና ዝረኸብናዮ ተመኩሮ ከኣ ክንመሃር ይግበኣና።

ዘሰማምዕን ዘፈላልን ሓሳባት ከጋጥመና እንከሎ፡ ረብሓና ኣብ ሓቢርካ ምጉዓዝ ስለ ዝኸውን፡ ነቲ ረብሓና ዘራጉድን ዘሰማምዕን ሓሳባት ከነሕይሎ ክንቃለስ ይግበኣና። እዚ ማለት ኣብ ክንዲ ነቲ ዝፈላሊ ኣግኒንና ዘየራኽብ መንደቕ ክንሃንጽ ሒዅ እንብል፡ ነቲ ዘሰማምዓና ሓሳባት ኣዕኲዅና ዘሰጋግርን ዘራኽብን ድንድል ክንሃንጽ ምስ እንበቅዕ እቲ ልዝብ ኣውንታዊ ውጽኢት ክህልዎ ይኽእል። ከም ኤርትራውያን ዜጋታት፡ ብኤርትራውነትና ማዕረ ኢና። እዚ ብተግባር ኣብ ግዜ ሕማቕ ኮነ ጽቡቕ ዝተረጋገጸን ብክቡር መስዋእትነት ዝተደረዐን ስለ ዝኾነ ብዘይዕጥይጥይ ቀንዲ መሰረት ና መሰማሚዕና እዩ። ይኹን እምበር ኣብ እምነትናን ካልእ ናይ ብዙሕነት መምዘንን ንፈላለ ኢና። ሓደ ክርስትያን ይኸውን እቲ ካልእ ድማ ኣስላማይ። ከምኡ እውን ዝተፈላለየ ቋንቋታት ንዛረብ። ሓደ ኣብ መታሕት ይነብር እቲ ካልእ ከኣ ኣብ ከብሳ። ኮታ እቲ ናይ ብዙሕነት ዝርዝር ይቕጽል። ናይዚ ኩሉ ናይ መንነት ጸጋ ተጠቀምቲ ክንከውን ከኣ ቅድሚ ኩሉ ብሓሳብን ግብርን ኤርትራውያን ክንከውን ይግበኣና። ስለዚ ኣብዞም ኣብ ትሕቲ ኤርትራዊ ጽላል ክጽልሉ ዝግበኦም ፍልልያት ተመስሪትና ዘየራኽቡ መንደቓት ዘይኮና ክንሃንጽ ዝግበኣና፡ ኣብቲ ሓደ ዝገብረና ኤርትራውነት ጸኒዕና ኢና መራኸቢ ድንድል ክንሃንጽ ዝግበኣና። ነቲ ብንኡስ ደረጃ ዝፈላልየና ብዙሕነት ኣወጊድና በይንና ኤርትራዊ ክንከውን ንሃልከሉ ምኽንያት የብልናን። ብኣንጻሩ ነቲ መራኸቢ ድንድል ብዘይሃሲ ኣገባብ ደረቱ ሓልዩ ከም ዝህሉ ኢና ክንገብሮ ዝግበኣና።

ሓደ ኤርትራዊ ዛዕባ ኤርትራዊ ስለ ዝኾነ፡ ብኤርትራውያን እዩ ክተሓዝ ዝግበኦ። ነስተውዕል ኤርትራዊ ክርስትያን ብሃገራዊ ዛዕባ ክዛረብ እንከሎ ካብ ዘይኤርትራውያን ክርስትያን ኤርትራውያን ኣስላም እዮም ዝቐርብዎ። ጉዳይ ኤርትራውያን ኣስላም እውን በዚ እዩ ክተሓዝ ዝግበኦ። ብርኢቶና “ማይን ሑጻን መታርፍቲ” ዝብል ምስላ ዘይርዳእ ኤርትራዊ ኣካል ኣሎ ኣይንብልን። ሓሓሊፉ ከም ዝረአ፡ ሓድሓደ ዘይኤርትራውያን ነቲ ቀዳሞት ወለድና ኮነ፡ ናይ ነጻነት ተቓለስትና ንእምነት ብሃገራውነት እንዳቓነዩ ዝኸፈልዎ መስዋእትነት ብምዝንጋዕ ዝያዳ ተሓለቕቲ መሲሎም ክቐርቡ ዘካይድዎ ዘይቅዱስ ፈተነ፡ ከሎ ጌና ኩልና ኤርትራውያን ብሓባር ክንገንሖ ዝግበኣና እዩ።

ጉጅለ ህግደፍ ብተግባር ኣንጻር ኩሉ እምነታት፡ መራሕቱን ትካላቱን እዩ። ነዚ ንምብራህ ናይ ዝተኣስሩን ካብ ሓላፍነቶም ዝተወገዱን መራሕቲ ኩሎም እምነታት፡ ዝተዓጽወን ዝተራስየን ትካላት ኩሎም እምነታትን ዝተጋህሰ መሰላትን ምዝርዛር ዘድልየና ኣይኮነን። ምኽንያቱ ናይ ኩልና ኤርትራውያን ኣመንቲ ማዕጾ ዝኳሕኮሐን ኣብ እንግደዓ ኩልና ዘሎ ዕዳን ስለ ዝኾነ። እቲ ሓቂ እዚ ክነሱ፡ ጉጅለ ህግደፍ ንእምነት ዝህቦ ክብሪ ዘየለ ምዃኑ እንዳተፈለጠ፡ ናይ ሓደ እምነት ዝያዳ ደጋፊ ኣምሲልካ ምቕራቡ ገበኑ ከተቕልለሉ ከም ምፍታን እዩ ዝውሰድ። እዚ እውን ኣብ ሕድሕድ ዘሰጋግር ድንድል ምስራሕ ዘይኮነ ዘየራኽብ መንደቕ ከም ምንዳቕ ዝውሰድ እዩ። ደሓር ከኣ ነቲ ህግደፍ ናይ ኩሉ ወጻዒ ምዃኑ ኣሚኑ ብሓባር ክቃለሶ ዝግበኦ ዓቕሚ ምድኻምን ከፋፊልካ ናይ ምግዛእ ሕልሚ ህግዲፍ ዘተባብዕን እዩ። ስለዚ ዝያዳ ጠመተና ካብ ኣብቲ ዝፈላሊ ኣብቲ ዘሰማምዕ ምትኳር ክኸውን ይግበኦ።

ብዕለት 12 ሕዳር 2017፡ ምምሕዳራዊ ሽማግለ ቤት ጽሕፈት ኣህጉራዊ ዝምድናታት (ወጻኢ ቤት/ጽ) ሰልፊ ዲሞክራሲ ህዝቢ ኤርትራ ወከልቲ ቦታውያን ሽማግለታት እተሳተፍዎ ስሩዕን ኣገዳስን ኣኼባ ብዘመናዊ መራኸቢ እናተጠቕመ ኣካይዱ። ከም ዝፍለጥ፡ ቦታውያን ሽማግለታት ፈጻሚ ቤት ጽሕፈታት ሰዲህኤ፡ ኣብ ጨንፈራት ሰልፊ ኣብ ዝርከብኤን ሃገራት ዝቖማ ኢየን።

እዚ ን8ይ ስሩዕ ኣኼባ ማእከላይ ባይቶ ሰዲህኤ ስዒቡ እተጋብኤ ኣኼባ ምምሕዳር፡ ብሓላፊ ቤት ጽሕፈት እናተመርሔ፡ ስፍሕ ዝበለ ኣጀንዳታት ዳህሲሱ። ንሱ ከኣ፡ 1) ሓበረታ ንጥፈታት ካብ ዞባውያን ወከልቲ፣ 2) ናብ 8ይ ስሩዕ ኣኼባ ማእከላይ ባይቶ ሰዲህኤ ካብ ዝቐረበ ጽማቚ ናይ 2016-2017 ዓመታዊ ጸብጻብ ቤት ጽሕፈት፣ 3) ብ8ይ ስሩዕ ኣኼባ ማእከላይ ባይቶ ዝጸደቐ ሓዲሽ መደብ ዕዮ ቤት ጽሕፈት ን2017-2018፣ 4) ቅርጻዊ ምትዕርራይ ቦታውያን ሽማግለታት፣ 5) ጊደ ቦታውያን ሽማግለታት ቤት ጽሕፈት ኣብ መስርሕ ምሕዳስ ሰልፊ ዝብል ነይሩ።

ምልውዋጥ ሓበረታታት/ጸብጻባት

ኣኼባ ምምሕዳራዊ ሽማግለ፡ ካብ ነፍስ-ወከፍ ኣወሃሃዲ ቦታዊ ሽማግለ ብሕጽር ዝበለ መልክዕ ዝቐረበ፡ ንንጥፈታት ሽማግለን ሃለዋት ሰልፍን ዝገልጽ ጸብጻባት ሰሚዑ። ቀጺሉ፡ ጸብጻብ ናይ ዓመተ ስራሕ 2016-2017 ቤት ጽሕፈት ኣህጉራዊ ዝምድናታት ብሓላፊ ቤት ጽሕፈት ቀሪቡ። ኣብ ዓመታዊ ጸብጻብ ካብ እተጠቕሰ ኣሃዛት፡-

  • መዘክራት ሰዲህኤ፡-ብ ነሓሰ 2016 ክሳዕ ሓምለ 2017 ኣብ ዝነበረ ናይ 12 ኣዋርሕ ንጥፈታት፡ ቤት ጽሕፈት ኣህጉራዊ ጽምድናታት፡ 27 መዘክራት ናብ መንግስታትን ሰልፍታትን ኣህጉራዊ ውድባትን/ማሕበራትን ልኢኹ። ንመዘኻኸሪ፡ ካብ ቀዳማይ ጉባኤ ሰዲህኤ ክሳዕ 8ይ ስሩዕ ኣኼባ ማእከላይ ባይቶ (ነሓሰ 2011 - ሓምለ 2017)፡ ሰዲህኤ 134 መዘክራት ናብ መንግስታትን ሰልፍታትን፡ ቤት ጽሕፈታት ሕቡራት መንግስታትን፡ ዓለም-ለኸ ማሕበራትን ከም ሕብረት ኣፍሪቃ ዝኣመሰሉ ዞባውያን ትካላትን ከም ዝለኣኸ ተሓቢሩ።
  • ዑደት/ርክባት ብመሪሕነት ሰዲህኤ፡- ከምኡ'ውን ኣብ ውሽጢ ዝሓለፈ ዓመተ-ስራሕ፡ ሰዲህኤ፡ ብዕላዊ ዲፕሎማሲ ዝግለጽ 13 ርክባት/ብጽሖታት ምስ መንግስታትን ሰልፍታትን ኣብ ርእሲ ምክያድ፡ 4 ብህዝባዊ ዲፕልማሲ ዝግለጽ ፍጻሜታት ክዉን ገይሩ። ኣብ ውሽጢ ዝሓለፈ 6 ዓመታት (2011-2017)፡ ሰዲህኤ 72 ዕላዊ ዲፕሎማሲ ኣካይዱ። (ማለት ናብ መንግስታት ዑደት ብምክያድን ኣብ ዓበይቲ ኮንፈረንሳት ብምስታፍን።) ኣብ ልዕሊ'ዚ 22 ብህዝባዊ ዲፕሎማሲ ዝግለጽ ምንቅስቓሳት ኣካይዱ።
  • መጽሔት/ጽሑፋት፡- ኣብውሽጢዝሓለፈዓመት፡ኣብከክልተወርሒብእንግሊዝ ናይ እትሕተም መጽሔትሊበርቲ6 ሕታማት ዘርጊሑ። በብጊዚኡ  ንሃለዋት ህዝብናን ግህሰታት ስርዓት ህግደፍን ዝገልጽ ጽሑፋት ይኹን ናይ ቪደዮ ቅዳሓትን ናብ ዲፕሎማሲያዊ ዓንኬላት ክዝርጋሕ ከም ዝጸሐ ተገሊጹ። ካብ ቀዳይ ጉብኤ ንድሓር፡ ናይዚ ኣብ  ዲፕሎማሲያዊ ዓንኬላት ዘቕንዐ መጽሐት ሕታማት 36 ከም ዝበጽሐ ተሓቢሩ።

ሓዲሽ መደብ ዕዮ ቤት ጽሕፈት ንዓመተ-ስራሕ 2017-2018

ከም ዝዝከር፡ ቀንዲ ዕማማትን ሓላፍነትን ቤት ጽሕፈት ኣህጉራዊ ዝምድናታት ሰዲህኤ፡ ንራእን ዕላማታትሰልፊ ዲሞክራሲ ህዝቢ ኤርትራ ብፍላይንራእይን መትከላትን ፓለቲካዊ ተቓውሞ ኤርትራ ከኣብሓፈሻ፡  ንደገፍቲ  ህዝቢ ኤርትራ ዝኾና ሃገራትን፡ ሰልፍታትን፡ ማሕበራትን ኣብ ርእሲ ምብራህ፡ ንኩሉ-ሸነኻዊ እንታይነት መላኺ ስርዓትን ግህሰታቱን ምቅላዕ ኢዩ። መሪሕነት ሰልፊ ዘጽደቖ ሓዲሽ መደብ ዕዮ ቤት ጽሕፈት ከኣ ነዚ ሓላፍነታት እዚ ዘንዘባርቕ ኢዩ።

ኣኼባ ምምሕዳራዊ ሽማግለ ነቲ መደብ ዕዮ ድሕሪ ምጽናዕ፡ ቦታውያን ሽማግለ ናተን ኲነታት ብዝፈቕዶ ኣገባብ ከስፍሕኦን ኣብ ግብሪ ከውዕልኦን ወሲኑ።

ቅርጻን ጊደን ቦታውያን ሽማግለታት፣

ኣኼባ ምምሕዳራዊ ሽማግለ ቤት ጽሕፈት፡ ብዝሒ ኣባላት ናይ ቦታዊ ሽማግለታት ከምቲ ዝጸንሐ ትጽቢት ቤት ጽሕፈት ከምዘይሰርሐ መዚኑ። ካብዚ ብምንቃል፡ ኣብ ነፍስ-ወከፍ ሃገር ውይ ዞባ ዘሎ ኲነታት ተጸኒዑ (ከከም ኲነታቱ) ብውሑዳት ኣባላት ዝቖመ ቦታዊ ሽማግለታት ከም ዝህሉ ክግበር ወሲኑ። ምስ ጨንፈራት ሰልፊ ብምውህሃድ ከኣ ኩሉ ኣባል ሰልፊ ኣብ ህዝባዊ ዲፕሎማሲ ከም ዝሳተፍ ክግበር ኢዩ።

ከምኡ'ውን ንመደብ ሓባራዊ ዕዮ ንምዕዋት፡ ምስ መሓዙት ማሕበራትን ኣገደስቲ ባእታታትን ጥቡቕ ርክብን ሓባራዊ ንጥፈታትን ምክያድ ካብ ቀዳምነታት ቦታውያን ሽማግለታት ክኸውን ኢዩ።

ቦታውያን ሽማግለታት ቤት ጽሕፈት፡ ንመስርሕ ምሕዳስ ሰልፊ ዕቱብ ኣቓልቦ ክህብኦ ከም ዝግባእ ኣኼባ ተረዳዲኡ። ቀንዲ እተጸቕጠሉ ነጥቢ ከኣ፡ ህልዊ ፖለቲካዊ ውድባት ተቓውሞ ኤርትራ ነቲ ሓዲሽ ወለዶ ጠርኒፉ መተካእታ ክፈጥር ዘይምኽኣሉ ኣሻቓሊ ጒዳይ ምዃኑ ኢዩ። ካብዚ ብምንቃል፡ ክሳዕ ናይ 2019 3ይ ጉባኤ ሰዲህኤ፡ ሰልፍና ሓደስቲ ኣባላት ብብዝሒ ክጥርንፍ እተዓጻጸፈ ጻዕሪ ክገብር ከም ዘሎዎ ተመዚኑ። ከም ሓበረታ፡ እቲ ኣብ ሰሜን ኣሜሪካ ዝጸንሐ ቦታዊ "ቅልውላው" ድሮ ተሰጊሩ፡ ዞባ ሰሜን ኣሜሪካ ኣብ ናህሪ  ዝወሰኸ ምሕዳስ ሰልፊ ከም ዘሎን፡ ኣብ ከባቢ ካናዳ ጥራይ ብዓሰርተታት ዝቚጸሩ ሓደስቲ መንእሰይ ኣባላት ኣብ ሰዲህኤ ይጽንበሩ ከም ዘሎዉን ተገሊጹ።

On Friday, 10 November 2017, over 500 Eritreans coming from many parts of Switzerland held a dynamic demonstration in front of the United Nations Office in Geneva in support of the 31 October 2017 protests in Asmara. Eritrean men and women of all ages and different political orientations were loudly shouting songs of solidarity with the spark of a New Momentum of fearless popular protest in Eritrea that started from the Akhriya locality of the Eritrean capital.

Like all the mass demonstrations being organized globally in support of the demonstration in Asmara that was interrupt by gun shots and massive arrests, the Geneva demonstration carried slogans calling for more unity among Eritrean freedom strugglers to shorten the days of suffering in Eritrea.

Eritrean Demo at UN Geneva 13.11 2

The Geneva demonstrators condemned the cheap divide- and rule tactics of the dictatorship in Eritrea and called on the international community to stand on the side of the pro-change struggle of Eritrean democratic forces.

Eritrean Demo at UN Geneva 13.11 3

 

A message prepared by the coordinating committee of the demonstration was submitted to the office of the president of the UN Human Rights Council in Geneva. It explained the objective of the event and emphasized the importance and urgency of establishing a democratic order in a constitutional state abiding by the rule of law.

Attending the demonstration were members of civic associations, political organizations and private individuals. Besides being members of the coordinating committee, members of the Eritrean People's Democratic Party (EPDP) from Freiburg, Bern and Geneva were taking part in the lively Geneva event. 

Today we had a well-attended mass rally (demonstration) at the Broken Chair monumental sculpture, in front of the United Nations Office at Geneva (UNOG). We had a very clear aim: to make known our stand with regard to the unprecedented civilian protest of 31 October 2017 that took place in the heart of Asmara (call it “The Akhrya Momentum”). It was another watershed moment in which Eritreans of all walks of life and their supporters came in unison for one and only one cause: condemning despicable atrocities of the PFDJ regime and making a call for the immediate establishment of a constitutional democratic order in Eritrea. Copy of an open letter authored by the organizers of the demonstration was handed over to the Office of the President of the UN Human Rights Council, Ambassador Joaquín Alexander MAZA MARTELLI (Permanent Representative of El Salvador to UNOG). Everyone who made a contribution to the success of the demonstration, in particular the Swiss-level coordinating committee of Eritrean diaspora grassroots movements deserves our utmost appreciation. Photo Credit Veronica Almedom and “Japan.”Today we had a well-attended mass rally (demonstration) at the Broken Chair monumental sculpture, in front of the United Nations Office at Geneva (UNOG). We had a very clear aim: to make known our stand with regard to the unprecedented civilian protest of 31 October 2017 that took place in the heart of Asmara (call it “The Akhrya Momentum”). It was another watershed moment in which Eritreans of all walks of life and their supporters came in unison for one and only one cause: condemning despicable atrocities of the PFDJ regime and making a call for the immediate establishment of a constitutional democratic order in Eritrea. Copy of an open letter authored by the organizers of the demonstration was handed over to the Office of the President of the UN Human Rights Council, Ambassador Joaquín Alexander MAZA MARTELLI (Permanent Representative of El Salvador to UNOG). Everyone who made a contribution to the success of the demonstration, in particular the Swiss-level coordinating committee of Eritrean diaspora grassroots movements deserves our utmost appreciation. Photo Credit Veronica Almedom and “Japan.”

Today we had a well-attended mass rally (demonstration) at the Broken Chair monumental sculpture, in front of the United Nations Office at Geneva (UNOG). We had a very clear aim: to make known our stand with regard to the unprecedented civilian protest of 31 October 2017 that took place in the heart of Asmara (call it “The Akhrya Momentum”). It was another watershed moment in which Eritreans of all walks of life and their supporters came in unison for one and only one cause: condemning despicable atrocities of the PFDJ regime and making a call for the immediate establishment of a constitutional democratic order in Eritrea. Copy of an open letter authored by the organizers of the demonstration was handed over to the Office of the President of the UN Human Rights Council, Ambassador Joaquín Alexander MAZA MARTELLI (Permanent Representative of El Salvador to UNOG). Everyone who made a contribution to the success of the demonstration, in particular the Swiss-level coordinating committee of Eritrean diaspora grassroots movements deserves our utmost appreciation. Photo Credit Veronica Almedom and “Japan

ጨንፈር ሰዲህኤ ፍራንክፎርትን ከባቢኡን  ብዕለት 12.11.2017 ስሩዕ ኣኼባኡ ኣካይዱ። ኣኼባ ሰዓት ብኣቦ መንበር ጨንፈር ብናይ ሰላምታን ሰናይ ምንዮትን ምስ ተኸፈተ ኣብቲ ቀንዲ ዛዕባ ተኣትዩ።

ዝነበረ ዛዕባ ድማ፡-

  1. እዋናዊ ሰልፋውን ዞናውን ዓለማውን ሓበሬታታት ምልውዋጥ፤
  2. ገምጋምና ናይቲ ብዕለት 11.11.2017 ዝተገብረ ሰፊሕ ሰላማዊ ሰልፊ ፍራንክፎርት፤
  3. እምነት ሰዲህኤ ኣብ መንጎ መንግስትን ሃይማኖትን  ንዝህሉ ዝምድና ዝብሉ ኔሮም።

ኣኼበኛ ነዞም ዝተጠቕሱ ዛዕባታት ሓደ ብሓደ ተዘራሪቡሎም። እቲ ዝበዝሐ ግዜ ዝወሰደ ምርድዳእ ድማ ኣብቲ 2ይ ነጥቢ እዩ። ኣባላት ጨንፈርና ኣብዚ ዝነበረ ዕዉት ሰላማዊ ሰልፊ‘ዚ ብምስታፍ ዓቢ ተራ ስለ ዝተጻወቱ ሽማግለ ማሕበር ኣሞጒሱ። ብቐዳምነት እዚ ሰላማዊ ሰልፊ‘ዚ፡ ኣካል ናይ‘ቲ ኣብዚ ዝሓለፈ ክልተ ሰሙናት ኣብ ምሉእ ዓለም ብደለይቲ ፍትሒ ምእንቲ መሰል ክካየድ ዝቐነየ ሰላማዊ ሰልፍታት ምዃኑ ኣኼበኛ ተረዳዲኡሉ። እዚ ኩሉ ክካየድ ዝቐነየ ሰላማዊ ሰልፍታት‘ዚ ድማ፡ ኣካል ናይቲ ኣብ ምሉእ ዓለም ዘሎ ህዝቢ ኤርትራ ጸረ ምልካዊ ስርዓት ህግደፍ ዘካይዶ ዘሎ ሰላማውን ዲሞክራስያውን ቃልሲ ምዃኑን፤ ካብቲ ቅድሚ ሎሚ ዝካየድ ዝነበረ ሰላማዊ ሰልፍታት ፍልይ ዘብሎ ድማ፡ ብመንእሰያትን ህዝብን ኣስመራ፡ ኣብ ውሽጢ ርእሰ ከተማና ዝተጀመረን ብእኡ ጌሩ ድማ ኣብ ምሉእ ዓለም ዝለሓመን ብምንባሩ እዩ። ኣካያዲ ቤት ትምህርቲ እስላሚያ ኣኽርያ ኣቦና ሸኽ ሙሳ መሓመድ ኑር ድማ፡ ነቲ ብስርዓት ህግደፍ ዝተወስደ ስጉምቲ ናይ ኣብ ሃይማኖት ኢድ ምእታው፡ መሰል ህዝቢ ምግፋፍ ስለ ዝኾነ፡ ዝመጸ ሽግር ይምጻእ ክንቃወሞ ኢና ብምባል ዝሃብዎ መግለጺ፡ ንኩሉ ህዝቢ ኤርትራ ንፍርሂ ስዒሩ ተባዕ ተቓውሞ ከም ዘርኢ ጌሩዎ‘ዩ። ገለ ካብቶም ኣብቲ ሰላማዊ ሰልፊ ዝነበሩ ጭርሖታት ድማ፡ መሰል ህዝቢ ይተሓሎ፡ ኩሎም ናይ ሕልናን ፖለቲካን እሱራት ይፈትሑ ዝብሉን፡ ስእልታት ናይቶም ንልዕሊ 11 ዓመት ብስርዓት ህግደፍ ተኣሲሮም ዘለዉ ብጹእ ፓትርያርክ ኤርትራ ኣቡነ ኣንጦንዮስን፡ ኣብቲ ብዕለት 31.10.2017 ዝነበረ ሰላማዊ ሰልፊ ኣስመራ ዝተኣስሩ ሸኽ ሙሳ መሓመድ ኑርን ኔሮም። ኣኼበኛ ድማ ነዚ ሰላማዊ ሰልፍ‘ዚ ብምድጋፍን ምምጓስን፡ ኣብ ተቓውሞ ህዝቢ ኤርትራ ድማ ሓደ ካብቲ ካብ ውሽጢ ዝብገስ ተባዕ ተቓውሞን ምዃኑ ድሕሪ ምግምጋምን፡ ኩሉ ኤርትራዊ ደላይ ፍትሒ ክሳብ ምልካዊ ስርዓት ህግደፍ ዝወድቕ ክቕጽሎን ጸዊዑ።

ብተወሳኺ ነቲ ስርዓት ህግደፍ ንትሕዝቶን መልክዕን ናይቲ ዝተራእየ ተቓውሞ ምእንቲ መሰል ህዝቢ፡ ናይ ፍሉይ ሃይማኖታዊ ጥሩፍነት ጌሩ ብምግላጽ ከጸልሞን ኣብ ውሽጢ ህዝቢ ኤርትራ ድማ ኣፋላላይን ግርጭትን ክፈጥር ዝገብሮ ዘሎ ፍሹል ፈተነ ዝኹንንን፥ ሓድነት ኩሉ ህዝቢ ኤርትራ ዘረጋግጽ ሰላማዊ ሰልፊ ምንባሩን‘ውን ኣኼበኛ ኣስሚሩሉ። 

ኣብ መወዳእታ ድማ፡ ኣኼበኛ ነቲ ሰልፊ ሰደህኤ ኣብ መንጎ መንግስትን ሃይማኖትን ዘሎ ዝምድና ኣብ ቁዋሙ ኣስፊሩዎ ዘሎ ኣርእስቲ ብምግላጽ፡ ንመሰል ሃይማኖታት ዘኽብር ምዃኑ ተረዲኡ። መንእሰይ ክብሮም ዓንዶም‘ውን ከም ኣባል መንእሰያት ሰዲህኤ መጠን ንኣብ ውሽጢ ሃገር ዘለዉ ህዝብን ሰራዊትን ኤርትራ፡ ጸረ እቲ ዝውጽዖምን ዝገፍዖምን ዘሎ ስርዓት ክምክቱ ሎሚ እዋኑ ምዃኑን፡ ንሕና‘ውን ኣብ ጎኖም ከም ዘሎናን ዝገልጽ ናይ መጸዋዕታ ጽሑፍ ኣንቢቡ። ኣኼባ ብዝክረ ስዉኣት ተዛዚሙ

 

      

ኣብዛ ኣህዛብ ዝነብሩላ ዓለም፥ ብሕብሪቆርበት፥ ዓሌት፥ ሃይማኖት፥ ባህልን ልምድን ዝተፈላለዩ እዮም። ኣብ ከምዚ ኩነት እዚ ዋላ እውን ሓደ ህዝቢ ኣብ ሓንቲ ሃገር ብኹሉ ኣብ ላዕሊ ዝተጠቕሰ ሓደ ዓይነት እንተዝኸውን ብዘይ ግርጭት ክነብር ኣይክእልን እዩ። ምኽንያቱ ኣብ ዓለማዊውያን ይትረፍ ኣብ መንፈሳውያን እውን ከይተረፈ ዘይምስምማዕን ምስሕሓባትን ይርከብ እዩ። ነዚ ዝርከብ ምፍሕፋሓት ወይ ዘይምርድዳኣት ብኣገባብ ናይ ምእላዩን ነቲ ናይ ምድራዊ ንምድራዊ ነቲ ናይ መንፈስ ከኣ ንመንፈሳዊ ኣተኻኺልና ምስ እንጎዓዝ ክከባበርን ሓቢሩ ክነብርን ይኽእል እዩ።

ብዛዕባ ኣብ ምህናጽ ሃገር ምስቲ ዘሎ ሃይማኖታዊ ይኹን ቀቢላዊ ወይ እንዳዊ ኣተሓሳስባ ተኣሳሲሩ ክሃንጽ ኣብ ኣብዝፍትነሉ ግዜ እቲ ሸይጣን ወይ ድያብሎሳዊ ኣተሓሳስባ ኣብቲ ባህሪ ዘየሰማምዕ እዩ ዝምርኰስ። እዚ ከኣ ኩሉ ነንሃይማኖቱ፥ ነንወገኑ ነንኣውራጃኡ ወይ ዓሌቱ ብዘርብሕ ሕልናን ኣተሓሳስባን ይዕብለል። ኣብዚ እቲ ዝተፈላለየ ሃይማኖታዊ እምነትን ካልእን ንመሰል ናይ እምነት ናጽነት ዘስሕት መስመር ይሕዝ እሞ ኣብ ግርጭታትን ፍልልያት ምግፋሕን ይብጻሕ።

ብመጀመርያ ሃይማኖት ብዛዕባ መንፈስ ክግበር ዘለዎ ነንኣማኒኡ ዘስተምህረሉ ወይ እውን መስመር ዘትሕዘሉ እዩ። ኣብዚ እታ ሃገር ኣብ እትህነጸሉ ጉዕዞ ግና እዚ ናይ ሃይማኖት ይኹን እንዳ ወይ ቀቢላ በቲ ስምዒት በቲ ዝተፈላለየ እምነታት ዝፍታሕ ወይ ዝመሓደር ኣይኮነን። እንታይ ደኣ በቲ ንምድራዊ ዓለም ዘማእክል ሕጊ ማለት እቲ ህዝቢ በቲ ኩሉ መልክዓቱን እምነታቱን ሓቢሩ ብዝሕንጽጾ ቅዋም ተቐይዱ ኣብ ትሕቲ ሕጊ ማዕረ ዝኾነሉ ኣገባብ እዩ ዝመሓደር። እዚ ናብቶም ሓባራዊ እንውንኖም ነገራት ኣብ ምፍታሽ ዝሕግዘናን ኣሳናይን ኣታዓራቕን መገዲ ክንሕዝ ይሕግዝ።

ሃይማኖትን ፖለቲካን ሓደ ስለዘይኮኑ ኣጸቢቖም ዝፈላለዩሉ ምኽንያት ኣሎ። ንሱ ድማ ኣብ ፖለቲካ ካብ ምንታይ ነቒሉ እንታይ እዩ እቲ ኣወንታ ኣሉታን ክትካታዕን ዝቕየር ክትቅይርን ክትማጎትን ትኽእል። ኣብ ሃይማኖት ግና ጉዳይ እግዚኣብሄር ስለዝኾነ ኣሎዶ የሎን ኢልካ ተኻቲዒካ ኣብ መደምደምታ ዘይትበጽሓሉን ክትሰማማዕ እውን ዘይትኽእለሉን እዩ። ስለዚ ነፍሲ ወከፍ ወዲ ኣዳም እቲ ቅኑዕ እዩ ኢሉ ዝኣምነሉ እምነት ክህልዎን ነቶም ካልኦት ከምቲ ናቱ እምነት ዘይሓዙ ከኣ ክኽብርን ብእወንታ ክጥምትን ይግባእ። እዚ ማለት ሓደ ሃይማኖት ነቲ ካልእ ሃይማኖት ክዕብልል ወይ እውን ብኣሉታ ክመዝን መሰል የብሉን ብሕጊ እውን ኩልኩል እዩ ክኸውን። ኣብ ሃይማኖት ከምቲ ናይ ፖለቲካዊ ድሌታትካ ሰዓቢ ክትረክብ ጐስጓስ ኣየካይድን እዩ። ኣብ ናይ ካልእ ሃይማኖት ጉዳይ ኣትዩ እውን እዝን ከምዝን ኢዩ ኢሉ ክፈርድ ይኹን ክመዝን መሰልን ናጽነትን የብሉን። ሃይማኖት እቲ ቅዱሳት መጻሕፍቲ ዝእዝዞ ምትግባር እምበር ንሃይማኖታዊ እምነትካ ገዲፍካ ናባና እቶ ኢሉ ኣይሰብኽን እዩ።

ሃገር ኣብ ምህናጽ እምበኣር እቲ ቀዳማይ ዝስራዕ መሰረት ንብዙህነትን ሓድነትን ብዝሕሉ ዲሞክራሲያዊ ስርዓት ምትካል እዩ። እዚ ዝትከል ዲሞክራሲያዊ ስርዓት ኣብ ሃይማኖት ጣልቃ ዘይኣቱን ንመሰል ሃይማኖት እውን ዘይነፍግን ሕጊ ተኸቲሉ ዝዳኒ እዩ። ሃይማኖት እውን ነቲ ናይ ብዙህነትን ሓድነትን ሚዛን ሓልዩ በብእምነቱ ክሰብኽን ከስተምህርን ነጻነት ሃልይዎ ካብቲ ዝተሓንጸጸ ሕጊ ወጻኢ ምስ ዝኸይድ ከኣ ብሕጊ ይሕተት። ፖለቲካ ካብ ሃይማኖት፥ ወይ እውን ሃይማኖት ካብ ፖለቲካ ነጻ ክኸውን ኣለዎ ማለት ንሃይማኖትካ ግደፍ ወይ ኣውን ምድኻም ናይ ሃይማኖት ከምዘይኮነ ምርዳእ ኣገዳሲ እዩ። ምኽንያቱ መሰል ናይ ምእማንን ዘይምእማንን ነጻነት ከምኡ እውን ዝኾነ ይኹን ሰብ ኣብዝደለዮ እምነት ክኣምን ብሕግን መትከልን ቅቡል ስለዝኾነ።

ስለዚ ሃገር ክንሃንጽ እቲ ኣተሓሳስባና ነመላእ እቲ ኣብታ ሃገር ዝነብር ህዝቢ ተፋቒሩን ተሳንዩን ብሕጊ ተቐይዱን ዝነብረላ ኮይና ክትህነጽ የድሊ። እዚ ከኣ ሓደ ነቲ ሓደ ልዕልና ይኹን ዕብለላ ዘየርእየሉ፡ ንሃብቲ ሃገርን ስልጣንን ብማዕረ ዝመቓረሓሉ ቅዋም ምሕንጻጽ እቲ ቀንዲ እምነ መሰረት ናይ ህንጸት ሃገር እዩ። ብዝተረፈ በብዝደለናዮ ዝተፈላለየ እምነታትን፥ መንነትን ማለት ኣውራጃ ዲዩ ቀቢላ ዎላ እንዳ ኣቢልካ ዝህነጽ ሃገር የለን።