ቤት ጽሕፈት ኣህጉራዊ ዝምድናታት ሰዲህኤ ኣገዳስ ስሩዕ ኣኼባ ኣካይዱ

2017-11-14 12:34:21 Written by  ቤት ጽሕፈት ዜና ሰዲህኤ Published in EPDP News Read 2698 times

ብዕለት 12 ሕዳር 2017፡ ምምሕዳራዊ ሽማግለ ቤት ጽሕፈት ኣህጉራዊ ዝምድናታት (ወጻኢ ቤት/ጽ) ሰልፊ ዲሞክራሲ ህዝቢ ኤርትራ ወከልቲ ቦታውያን ሽማግለታት እተሳተፍዎ ስሩዕን ኣገዳስን ኣኼባ ብዘመናዊ መራኸቢ እናተጠቕመ ኣካይዱ። ከም ዝፍለጥ፡ ቦታውያን ሽማግለታት ፈጻሚ ቤት ጽሕፈታት ሰዲህኤ፡ ኣብ ጨንፈራት ሰልፊ ኣብ ዝርከብኤን ሃገራት ዝቖማ ኢየን።

እዚ ን8ይ ስሩዕ ኣኼባ ማእከላይ ባይቶ ሰዲህኤ ስዒቡ እተጋብኤ ኣኼባ ምምሕዳር፡ ብሓላፊ ቤት ጽሕፈት እናተመርሔ፡ ስፍሕ ዝበለ ኣጀንዳታት ዳህሲሱ። ንሱ ከኣ፡ 1) ሓበረታ ንጥፈታት ካብ ዞባውያን ወከልቲ፣ 2) ናብ 8ይ ስሩዕ ኣኼባ ማእከላይ ባይቶ ሰዲህኤ ካብ ዝቐረበ ጽማቚ ናይ 2016-2017 ዓመታዊ ጸብጻብ ቤት ጽሕፈት፣ 3) ብ8ይ ስሩዕ ኣኼባ ማእከላይ ባይቶ ዝጸደቐ ሓዲሽ መደብ ዕዮ ቤት ጽሕፈት ን2017-2018፣ 4) ቅርጻዊ ምትዕርራይ ቦታውያን ሽማግለታት፣ 5) ጊደ ቦታውያን ሽማግለታት ቤት ጽሕፈት ኣብ መስርሕ ምሕዳስ ሰልፊ ዝብል ነይሩ።

ምልውዋጥ ሓበረታታት/ጸብጻባት

ኣኼባ ምምሕዳራዊ ሽማግለ፡ ካብ ነፍስ-ወከፍ ኣወሃሃዲ ቦታዊ ሽማግለ ብሕጽር ዝበለ መልክዕ ዝቐረበ፡ ንንጥፈታት ሽማግለን ሃለዋት ሰልፍን ዝገልጽ ጸብጻባት ሰሚዑ። ቀጺሉ፡ ጸብጻብ ናይ ዓመተ ስራሕ 2016-2017 ቤት ጽሕፈት ኣህጉራዊ ዝምድናታት ብሓላፊ ቤት ጽሕፈት ቀሪቡ። ኣብ ዓመታዊ ጸብጻብ ካብ እተጠቕሰ ኣሃዛት፡-

  • መዘክራት ሰዲህኤ፡-ብ ነሓሰ 2016 ክሳዕ ሓምለ 2017 ኣብ ዝነበረ ናይ 12 ኣዋርሕ ንጥፈታት፡ ቤት ጽሕፈት ኣህጉራዊ ጽምድናታት፡ 27 መዘክራት ናብ መንግስታትን ሰልፍታትን ኣህጉራዊ ውድባትን/ማሕበራትን ልኢኹ። ንመዘኻኸሪ፡ ካብ ቀዳማይ ጉባኤ ሰዲህኤ ክሳዕ 8ይ ስሩዕ ኣኼባ ማእከላይ ባይቶ (ነሓሰ 2011 - ሓምለ 2017)፡ ሰዲህኤ 134 መዘክራት ናብ መንግስታትን ሰልፍታትን፡ ቤት ጽሕፈታት ሕቡራት መንግስታትን፡ ዓለም-ለኸ ማሕበራትን ከም ሕብረት ኣፍሪቃ ዝኣመሰሉ ዞባውያን ትካላትን ከም ዝለኣኸ ተሓቢሩ።
  • ዑደት/ርክባት ብመሪሕነት ሰዲህኤ፡- ከምኡ'ውን ኣብ ውሽጢ ዝሓለፈ ዓመተ-ስራሕ፡ ሰዲህኤ፡ ብዕላዊ ዲፕሎማሲ ዝግለጽ 13 ርክባት/ብጽሖታት ምስ መንግስታትን ሰልፍታትን ኣብ ርእሲ ምክያድ፡ 4 ብህዝባዊ ዲፕልማሲ ዝግለጽ ፍጻሜታት ክዉን ገይሩ። ኣብ ውሽጢ ዝሓለፈ 6 ዓመታት (2011-2017)፡ ሰዲህኤ 72 ዕላዊ ዲፕሎማሲ ኣካይዱ። (ማለት ናብ መንግስታት ዑደት ብምክያድን ኣብ ዓበይቲ ኮንፈረንሳት ብምስታፍን።) ኣብ ልዕሊ'ዚ 22 ብህዝባዊ ዲፕሎማሲ ዝግለጽ ምንቅስቓሳት ኣካይዱ።
  • መጽሔት/ጽሑፋት፡- ኣብውሽጢዝሓለፈዓመት፡ኣብከክልተወርሒብእንግሊዝ ናይ እትሕተም መጽሔትሊበርቲ6 ሕታማት ዘርጊሑ። በብጊዚኡ  ንሃለዋት ህዝብናን ግህሰታት ስርዓት ህግደፍን ዝገልጽ ጽሑፋት ይኹን ናይ ቪደዮ ቅዳሓትን ናብ ዲፕሎማሲያዊ ዓንኬላት ክዝርጋሕ ከም ዝጸሐ ተገሊጹ። ካብ ቀዳይ ጉብኤ ንድሓር፡ ናይዚ ኣብ  ዲፕሎማሲያዊ ዓንኬላት ዘቕንዐ መጽሐት ሕታማት 36 ከም ዝበጽሐ ተሓቢሩ።

ሓዲሽ መደብ ዕዮ ቤት ጽሕፈት ንዓመተ-ስራሕ 2017-2018

ከም ዝዝከር፡ ቀንዲ ዕማማትን ሓላፍነትን ቤት ጽሕፈት ኣህጉራዊ ዝምድናታት ሰዲህኤ፡ ንራእን ዕላማታትሰልፊ ዲሞክራሲ ህዝቢ ኤርትራ ብፍላይንራእይን መትከላትን ፓለቲካዊ ተቓውሞ ኤርትራ ከኣብሓፈሻ፡  ንደገፍቲ  ህዝቢ ኤርትራ ዝኾና ሃገራትን፡ ሰልፍታትን፡ ማሕበራትን ኣብ ርእሲ ምብራህ፡ ንኩሉ-ሸነኻዊ እንታይነት መላኺ ስርዓትን ግህሰታቱን ምቅላዕ ኢዩ። መሪሕነት ሰልፊ ዘጽደቖ ሓዲሽ መደብ ዕዮ ቤት ጽሕፈት ከኣ ነዚ ሓላፍነታት እዚ ዘንዘባርቕ ኢዩ።

ኣኼባ ምምሕዳራዊ ሽማግለ ነቲ መደብ ዕዮ ድሕሪ ምጽናዕ፡ ቦታውያን ሽማግለ ናተን ኲነታት ብዝፈቕዶ ኣገባብ ከስፍሕኦን ኣብ ግብሪ ከውዕልኦን ወሲኑ።

ቅርጻን ጊደን ቦታውያን ሽማግለታት፣

ኣኼባ ምምሕዳራዊ ሽማግለ ቤት ጽሕፈት፡ ብዝሒ ኣባላት ናይ ቦታዊ ሽማግለታት ከምቲ ዝጸንሐ ትጽቢት ቤት ጽሕፈት ከምዘይሰርሐ መዚኑ። ካብዚ ብምንቃል፡ ኣብ ነፍስ-ወከፍ ሃገር ውይ ዞባ ዘሎ ኲነታት ተጸኒዑ (ከከም ኲነታቱ) ብውሑዳት ኣባላት ዝቖመ ቦታዊ ሽማግለታት ከም ዝህሉ ክግበር ወሲኑ። ምስ ጨንፈራት ሰልፊ ብምውህሃድ ከኣ ኩሉ ኣባል ሰልፊ ኣብ ህዝባዊ ዲፕሎማሲ ከም ዝሳተፍ ክግበር ኢዩ።

ከምኡ'ውን ንመደብ ሓባራዊ ዕዮ ንምዕዋት፡ ምስ መሓዙት ማሕበራትን ኣገደስቲ ባእታታትን ጥቡቕ ርክብን ሓባራዊ ንጥፈታትን ምክያድ ካብ ቀዳምነታት ቦታውያን ሽማግለታት ክኸውን ኢዩ።

ቦታውያን ሽማግለታት ቤት ጽሕፈት፡ ንመስርሕ ምሕዳስ ሰልፊ ዕቱብ ኣቓልቦ ክህብኦ ከም ዝግባእ ኣኼባ ተረዳዲኡ። ቀንዲ እተጸቕጠሉ ነጥቢ ከኣ፡ ህልዊ ፖለቲካዊ ውድባት ተቓውሞ ኤርትራ ነቲ ሓዲሽ ወለዶ ጠርኒፉ መተካእታ ክፈጥር ዘይምኽኣሉ ኣሻቓሊ ጒዳይ ምዃኑ ኢዩ። ካብዚ ብምንቃል፡ ክሳዕ ናይ 2019 3ይ ጉባኤ ሰዲህኤ፡ ሰልፍና ሓደስቲ ኣባላት ብብዝሒ ክጥርንፍ እተዓጻጸፈ ጻዕሪ ክገብር ከም ዘሎዎ ተመዚኑ። ከም ሓበረታ፡ እቲ ኣብ ሰሜን ኣሜሪካ ዝጸንሐ ቦታዊ "ቅልውላው" ድሮ ተሰጊሩ፡ ዞባ ሰሜን ኣሜሪካ ኣብ ናህሪ  ዝወሰኸ ምሕዳስ ሰልፊ ከም ዘሎን፡ ኣብ ከባቢ ካናዳ ጥራይ ብዓሰርተታት ዝቚጸሩ ሓደስቲ መንእሰይ ኣባላት ኣብ ሰዲህኤ ይጽንበሩ ከም ዘሎዉን ተገሊጹ።

Last modified on Tuesday, 14 November 2017 13:43