ዕዉት ሰላማዊ ሰልፊ ኣብ በይ-ኤርያ ካሊፎርኒያ ተኻይዱ

2017-11-15 03:16:48 Written by  ሰልፊ ዲሞክራሲ ህዝቢ ኤርትራ በይ-ኤርያ Published in EPDP News Read 2689 times

ሎሚ መዓልቲ ሰኑይ 13 ሕዳር 2017 ኣብ ዝተፈላለየ ቦታታት በይ-ኤርያ ዝነብሩ ደለይቲ ፍትሒ ኤርትራውያን ብበይ-ኤርያ ኤርትርውያን ንዲሞክራስያዊ ለውጢ ዝተጸወዐ፡ ኣብ ከተማ ሳን-ፍራንሲስኮ ዕዉት ሰላማዊ ሰልፊ ኣካይዶም። ዓላማ ናይ’ዚ ሰላማዊ ሰልፊ’ዚ ነቲ ኣብ ከተማ ኣስመራ ብዕለት 31 ጥቅምቲ ዝተራእየ ህዝባዊ ተቓውሞ ንምድጋፍ እዩ ኔሩ።

SanFranDemo2

ብምኽንያት ስርዓት ህግዲፍ ኣብ ልዕሊ ቤት-ትምህርቲ ኣል ዲያእ ኣልእስላሚያ ዝወሰዶ ዓማጺ ስጉምቲ፡ ጅግና ኣቦና ሓጅ ሙሳ መሓመድኑር ብዘርኣይዎ ተባዕ መኸተ ኣብ 93 ዓመቶም ከምቶም ዝቐደሙ ኣሕዋቶም ኣብ ቤት ማእሰርቲ ከምእተዳጎኑ ኩሉ ዝፈልጦ ሓቂ እዩ። በዚ ጨካን ኣብ ልዕሊ ኣቦና ሓጅ ሙሳ እተወስደ ስጉምቲ ዝተቖጠዐ ህዝብና ምረቱ ንምግላጽ ብ31 ሕዳር ስላማዊ ሰልፊ ኣካይዱ። እንተኾነ ግን እቲ ዝኾነ ይኹን ሰብኣዊ መሰል ዘየኽብር መላኺ ስርዓት ህግዲፍ ነቲ ሰላማዊ ሰልፊ ብተዅሲታት በቲኑዎ ጥራሕ ዘይኮነ ንብዙሓት ንጹሃት ዜጋታት ከምዝኣሰረን ጌና ይኣስር ከምዘሎን ተረጋጊጹ ኣሎ።

SanFranDemo3ኣብርእሲ እቲ ኩሉ እከይ ተግባራቱ፡ መላኺ ስርዓት ኤርትራ እቲ ሰላማዊ ሰልፊ ሃይማኖታዊ እዩ ብምባል ንህዝብና ብሃይማኖት ክፈላልየና ህርድግ ይብል ኣሎ። እንተኾነ ግን ህዝቢ በይ-ኤርያ ልክዕ ከምቲ ኣብ ዝተፈላለየ ኩርናዓት ዓለም ዘሎ ህዝብና ዘርእዮ ዘሎ ጽንዓት ብምርኣይ “ሕቶ ቤት-ትምህርቲ ኣል ዲያእ ኣል እስላሚያ ሕቶ ሰብኣዊ መሰል እዩ” “እሱራት ይፈትሑ” “ንሕና ኤርትራውያን ኢና፡ ኣስላም ኢና፡ ክርስትያን ኢና፡ ምፍልላይ ኣይንፈቅድን” “ኣቦና ሓጅ ሙሳ ይፈትሑ፡ ኣቦና ፓትሪያርክ ኣንጦንዮስ ይፈትሑ” “እወ ንፍትሒ፡ እምቢ ንምልኪ” “እምነት ገበን ኣይኮነን” “ሕልናኹም ኣበይ ኣሎ” “ስልጣን ንህዝቢ ይረከብ” “ሰራዊት ኤርትራ ምስ ህዝብኻ ወግን” ብዝብል ጭርሖታቱ ኣብ ናይ ህግዲፍ መጻወድያ ከምዘይኣቱ ኣረጋጊጹ። ቀንዲ መለለዪ ናይ ሎሚ መዓልቲ ሰላማዊ ሰልፊ፡ ነቲ ህግዲፍ ኣብ ህዝብና ከእትዎን ክስርጾን ዝህቅን ዘሎ ሃይማኖታዊ ምፍንጫል ዝሰዓረ ምዃኑ እዩ።

ኣብ’ዚ ዕዉት ሰላማዊ ሰልፊ’ዚ ኣባላት ሰልፊ ዲሞክራሲ ህዝቢ ኤርትራ ከምኡ’ውን ኣብ በይ-ኤርያ ዝርከቡ ኣብላት ተቓውሞ ውድባት ተሳቲፎም። መደረታት ካብ ዘቕረቡ ሓንቲ ኣባል ሰልፊ ወይዘሮ ኣስገደት ምሕረትኣብ ኔራ።

13 ሕዳር 2017          

SanFranDemo4

Last modified on Wednesday, 15 November 2017 04:29