ቤት ጽሕፈት ወጻኢ ጕዳያት ኣመሪካ ን37 ሃገራት ኣፍሪቃ ንኣኼባ ጸዊዑ ኣሎ

2017-11-15 11:42:42 Written by  ቤት ጽሕፈት ዜና ሰዲህኤ Published in EPDP News Read 3077 times

ሓላፊ ቤት ጽሕፈት ጕዳያት ወጻኢ ኣመሪካ፡ ኣቶ ረክስ ስቲረልሰን፡ ን37 ሃገራት ኣፍሪቃ ንኣኼባ ኣብ ዋሺንግተን ዲሲ ዓዲምወን ኣሎ። እቲ ዋዕላ፡ ብዛዕባ ንግድን ወፍሪ ርእሰማልን፡ ከምኡ’ውን፡ ብዛዕባ ጸረ ሽበራን ሰናይ ምምሕዳር ክኸውን ምዃኑ ተሓቢሩ ኣሎ።

ንኤርትራን ኢትዮጵያን ብዝምልከት፡ ምኽትል ሓላፊ ወጻኢ ኣመሪካ ኣብ ጕዳያት ኣፍሪቃ፡ ኣቶ ዶናልድ ያማማቶ፡ ኣብ መንጐ ኤርትራን ኢትዮጵያን ዘሎ ውጥረት ንምህዳእን ሰላምን ጸጥታን ንምስፋንን ንሰርሕ ኣሎና፤ ኣመሪካ ነቲ ጕዳይ መፍትሒ ንምርካብ ቆሪጻ ተበጊሳ ኣላ፤ ኤርትራን ኢትዮጵያን ድማ ነቲ ወጥሪ ንምፍታሕ ድልውነተን ገሊጸን ኣለዋ ኢሉ።

Last modified on Wednesday, 15 November 2017 12:44