ርእሰ-ዓንቀጽ ሰዲህኤ

“ኤርትራና ኩሕሎ” ክንብል እንከለና እቲ ዘይሓልፍ መሬታ ምስ ባሕራን ህዝባን ማለትና ምዃኑ ንጹር እዩ። እቲ ንዓኣ ከከም ግዜኡ በብዝጥዕሞ ዘመሓድር ዘሎን ዝነብረን መንግስትን ሕግታቱን ግና ሓላፊ እዩ። ብመንጽርዚ ንኤርትራን ህዝባን ኣብ ትሕቲ ዝተፈላለዩ መንግስታትን ምምሕዳራትን ክሓልፉ እንከለዉ ኤርትራን ህዝባን ግና ከም ወትሩ ህያው እዮም። ኣርዑት ጉጅለ ህግደፍ ከኣ እነሆ ታርኡ በጺሕዎ ህዝብናን ሃገርናን እኳ እንተማሰነ፡ ክሓልፍ እዩ። ጉጅለ ህግደፍን ምምሕዳሩን ከምቶም ዝሓለፉ ክሓልፉን ኤርትራን ህዝባን ግና ክቕጽሉ ውሁብ እዩ። ድሕሪ ህግደፍ ኤርትራን ህዝባን እንታይ ዓይነት ምምሕዳር ክገጥሞም እዩ? ካብዚ ሕጂ ዘሎ ዝሓሸዶ ዝገደደ? ከኣ ናይዚ ነካይዶ ዘለና ናይ ለውጢ ቃልሲ ውጽኢት ዝውስኖ እዩ። ኤርትራ ናይ ኩልና ኤርትራውያን እትኸውን ከኣ ብናይ ኩልና ቃልሲ፡ ሓልፍነትን ልቦናን ጥራይ እዩ።

መንግስታት ብባህሪኦም ኣገደድቲ እዮም። ግና ኣይከም ህግደፍን። ሃገርን ህዝብን ጐዓጺጾም ኣብ ረብሓኦም ንምውዓልን ዕድመ ስልጣኖም ንምንዋሕን ካብ ምሕላን ንድሕሪት ኣይብሉን። ነዚ ንምዕዋት ከኣ ንገዛእ ርእሶም ምስቶም ዘይሓልፉ ሃገርን ህዝብን ከም ቁርዲድ ይጣበቑ። ብኣንጻሩ እታ ሃገር’ኳ ከም ሰብ ኣፍ ኣውጺኣ እንተዘይተዛረበት፡ ህዝቢ ግና እቲ ዘመሓድሮም መንግስትን ዘመሓድረሉ ሕግን ኣንጻር ረብሓኡን መሰሎን ክኸውን እንከሎ፡ ከቶ ሓንጐፋይ ኢሎ ከምዘይቅበል ብተመኩሮታት ዝተረጋገጸ እዩ። ንተመኩሮ ህዝቢ ኤርትራ ንድሕሪት ተመሊስና ብምድህሳስ ምስዚ ሕጂ ዘሎ እንተዛመድናዮ’ውን ነዚ እዩ ዘርእየና። ህዝብና ኣይኮነንዶ ኣብዚ ሎሚ ንመሰልካን ናጽነትካን ምቅላስ ሰማዒ እዝኒ ዝረኸበሉ፡ ካብ ቅድም እውን ዓቕሚ ውሒድዎን ኢድ ሓጺርዎን እንተዘይኮይኑ ኣንጻር ብስሙ ዝምሕል ግና ድማ ንረብሓኡ ዘይሰርሕ መንግስትን ሕግታቱን ናይ ዘይምቕባል ሃብታም ተመኩሮ ኣለዎ።

ጉጅለ ህግደፍ፡ ካብ ህዝቢ ኤርትራ ነጺልካ ኣብ ዝረኣየሉ፡ ከም ዝጥቃዕ ስለ ዝርዳእ፡ ብጭረሖ ኮነ ብሜላ ካብ ህዝቢ ክፍለ ኣይደልን። “ንሕና ህዝቢ ንሕና ሃገር” ዝብል ዘይጭበጥ ጭረሖኡ ድማ ነዚ ዘመልክት እዩ። ህዝቢ ሰሚሩ “ሃገርን ህዝብን ነበርቲ እዮም፡ ስርዓታት ግና ሓለፍቲ’ዮም” ዝብል ተረድእኡ ከይዓኩኽ ከኣ ሜላ “ከፋፊልካ ግዛእ” ይጥቀም። እቲ ምክፍፋል በብግዜኡ ዝሕደስን ብብዙሕ ረቀቕቲ ኣገባባት ተቐሚሩ ዝቐርብን እዩ። እቲ ጉጅለ ከም መከፋፈሊ ካብ ዝጥቀመሎም፡ ሃይማኖት፡ ዕድመ፡ ጾታ፡ ብሄር፡ ደረጃ መነባብሮን ትምህርትን፡ መዳይ ስራሕ፡ ደረጃ ተመኩሮ ኣብ ቃልስን ከባብን ከም ኣብነት ዝጥቀሱ እዮም። እቲ ስርዓት ብግብሪ ናይ ኩሎም ኤርትራዊ ኣካላት ጸላኢ ክነሱ፡ ኣብ ዝተወሰነ መድረኽ ንሓደ ወገን የቕርብ ነቲ ካልእ ከኣ የርሕቕ። እቲ ናይ ከፋፊልካ ምጥቃዕ ከምኡ ኢሉ ይቕጽል። ንሓንሳብ ንምሁር የቕርብ ነቲ ዘይተማህረ ዝብሎ የርሕቕ። ንሓንሳብ ንገጠር ይሕለቕ ንከተመኛ የነኣእስ። ንዝተማህረን ዘይተማህረን፡ ንመንእሰይን ዓብይን፡ ንጓለንስተይትን ወዲ ተባዕታይን፡ ንሲቭልን ወተሃደርን፡ ኣብ ሃገር ንዝነብርን ኣብ ወጻኢ ዘሎን፡ ንክስታናይን ኣስላማይን፡ ንዋርሳይን ይከኣሎን፡ ንከበሳን መታሕትን… ወዘተን ከኣ ከምኡ ኤርትራ ናይ ኩሎም ምዃና ኣረሲዑ፡ እንዳናቖተ ከም መናውሒ ዕድመ ክጥቀመሎም ንዘይሰምረሉ ይፍትን።

ኣብዚ እዋንዚ ኤርትራውያን ኣብቲ ዘይሓልፍ ኤርትራውነት ሓደ ክንስና፡ ኣብቲ ዝሓልፍ ኣተሓሳስባታት ግና ፍልልያት ኣለና። ገሌና ኣንጻር ጉጅለ ህግደፍ ንመሰረታዊ ለውጢ ንቃለስ። ገሊኦም ድማ ጸረ ህዝቢ ተግባራቱ ጠፊእዎም ዘይኮነስ፡ ንዓኡ ምጽራር ንኤርትራን ህዝባን ምኽሓድ ኮይኑ እንዳተሰመዖም ምስ ጉጅለ ህግደፍ ይለሓጉ። ውሑዳት ደኣ ይኾኑ እምበር፡ በቲ ሓደ ኤርትራ ናይ ኩልና ምዃና፡ በቲ ካልእ ከኣ ናይ ህዝብን ሃገርን ነባርነትን ናይ መንግስቲ ግዝያውነትን እንዳተረድኡ፡ ኮነ ኢሎም ናይ ዘመን ህግደፍ ተጠቀምቲ ንክኾኑ ንህዝቢ በዲሎም ነቲ ጉጅለ “ምሳኻ ሞተይ” እንዳበሉ ኣብ ርእሲ ስኻሩ ዘሻህርትዎ ኤርትራዊ ወገናት ከም ዘለዉ ፍሉጥ እዩ። እዚ ጥራይ ኣይኮነን፡ ከምቲ “ኮር ተገልበጥ” ዝበሃል እቶም ንሓላፊ ዘይጥዑይ ምምሕዳር ህግደፍ ዝተቓወሙ ከም ኣንጻር ኤርትራዊ ሃገራውነትን ልዕልና ህዝብን ዝግለጽሉ፡ እቶም ናይቲ ጉጅለ ኣሳሰይቲ ድማ ቀዳማይ ቀጸላ ሓለውቲ ኤርትራውነት መሲሎም ወዛሕዛሕ ዝብልሉ ኣጋጣሚ’ውን ይረአ እዩ።

መራሒ ህግደፍ ኣቶ ኢሳይያስ ኣፈወርቅ ዳርጋ ድሕሪ ዓመት ምክያድ ረፈረንዶምን ምውሓስ ልኡላውነት ኤርትራን ኣቢሉ፡ ብጋዜጠኛ ጋዜጣ ሓዳስ ኤርትራ “ድሕሪ ናጽነት ኣብ መንጎ ውድብን ህዝቢ ኤርትራን ዘሎ ዝምድና ኣብ ከመይ ደረጃ ይርከብ?” ዝብል ሕቶ ምስ ቀረበሉ “ውድብናን ህዝቢ ኤርትራን መንዩ ክልተ ተዛመድቲ ኣካላት ገይርዎ?” ኢሉ ነቲ ሕቶ ብሕቶ ዝሃቦ መልሲ ዘገርም ነይሩ። እዚ ነቲ “ዝተወሰኑ ኣባላት ዝሓቁፍ ውድብ ልዕሊ ህዝቢ ኤርትራ ክሰርዕ ዝደናደኖ ዝነበረ ዘርኢ እዩ።

ነዚ ንክጥዕሞም ድማ ከምቲ ገዛእቲ ሓይልታት ንናጽነቱን ንመሰሉን ንዝቃለስ ኤርትራዊ ዝህብዎ ዝነበሩ፡ “ናይ ዓረብ ተለኣኣኽን ናይ ፔትሮ ዶላር ሽዩጥን” ዝብሉ ደወንቲ ሓረጋት፡ ሎሚ እውን ካብዚ ናይ ግዜ መግዛእቲ ግጉይ ቅኒት ብዘይተፈልየ፡ ነቲ ንጉጅለ ህግደፍ ካብ ክብርን ቀጻልነት ኤርትራን ህዝባን ፈልዩ፡ ኣንጻሩ ዝቃለስ ናይ ለውጢ ሓይሊ፡ ዝተፈላለዩ ካብ ህዝቢ ይንጽሎ’ዩ ዝብልዎ ፈጠራዊ ቅጽላት ክህቦን ምስ ጸላእተይ ዝብሎም ከዛምዶን ምስማዕን ምንባብን ዝተለምደ እዩ። እቲ ጉጅለ ምእንቲ ኣብ እንግደዓ ህዝብና ክነብር ኩሉ የገልግለኒ ዝብሎ ኣእማን እንተፈንቀለ ትጽበዮ’ምበር ሃንደበት ኣይኮነን። ምኽንያቱ ናይ ምንባርን ዘይምንባርን ጉዳይ ስለ ዝኾኖ። እቲ ዘሕዝን ናይቶም ረብሓኦም ኣንጻር’ቲ ጉጀለ ምስ ዝግበር ቃልሲ ክነሱ፡ ናቱ ተሓዝቲ ጽላል ዝኾኑ እዩ።

በቲ ይኹን በዚ ግና እንተገደደስ ግዜ ደኣ ይወስድ እምበር፡ ጉጅለ ህግደፍ ተሳዒሩ ክሓልፍ እዩ። እቶም ዘይሓልፉ ኤርትራን ህዝባን ከኣ ንኡስ ፍልልያትና ኣብ ቦታኡ ኮይኖም፡ ናይ ኩልና ኤርትራውያን ኮይኖም ክቕጽሉ እዮም።

Ibrahim Mohamed 2መምህር ኢብራሂም መሓመድ፡ ኣባል መሪሕነት ሰልፊ ደሞክራሲ ኤርትራ (ሰደኤ) ብሕማም ምኽንያት ብ26 መጋቢት 2018 ከምዝዓረፈ ሰሚዕና። መስዋእቲ መምህር ኢብራሂም መሓመድ፡ ንቤተሰቡን ንህዝቢ ኤርትራን ዓቢ ክሳራ ምዃኑ ዝእመነሉ ኢዩ። ምኽንያቱ ድማ፡ መምህር ኢብራሂም ቅኑዕን ዘይፈላልን ንህዝብን ሃገርን ዘቐድምን ዕጉስን ተቓላሳይ ብምንባሩ ኢዩ።

በዚ ኣጋጣሚ’ዚ ሰልፊ ዲሞክራሲ ህዝቢ ኤርትራ (ሰዲህኤ) ንመዋቲ መንግስተ-ሰማይ የዋርሶ፡ ንቤተሰቡን መቃልስቱን ድማ እግዚኣብሄር ጽንዓት ይሃቦምን ራሕሱ የውርደሎምን እናበልና ናይ ሓዘኖም ተኻፈልቲ ምዃና ንገልጽ።

መንግስተኣብ ኣስመሮም

ኣቦ መንበር ሰዲህኤ

መምህር ኢብራሂም መሓመድ  ብዝሓደሮ ሕማም ንገለ እዋን ኣብ ሕክምና ክእለ ድሕሪ ምጽናሕ ብዕለት 26-03-2018 ኣብቲ ክእለየሉ ዝጸንሓ ሕክምና ዓሪፉ።

ዘይተጸበናዮ መስዋእቲ ናይ ክቡር መምህር ኢብራሂም መሓመድ አብ ዝሰማዕናሉ እዋን አዝዩ መሪር  ሐዘን ተሰሚዑና።
መምህር ኢብራሂም ካብቲ ዝልለየሉ አገደሲ ባህርያቱ፣ ምስ ኩሉ ሰብ ምቕሉል ጠባይ ዝውን፡ ጻዕረኛ  ብናይ ህዝቢ ኤርትራ ሐድነት አዝዩ ዝሐምምን ዝግደስን፣ ንኤርትራ ብመላአ ምስ ኩሉ ብዙሕነታን ሕብርታታ ዝጥምት፣ ሐደ መዓልቲ ኤርትራ ናይ ጸላም መድረኻታ ተቐንጢጡ፣ አብ ነብሲወከፍ ዜጋ አብ ኩሉ ኩርናዕ ኤርትራ ወጋሕታ ብርሃንን ናይ ሐጎስ መቓልሕ ተጋሂዱ ክርኢ ዝሐልም ተቓላሳይ ኢዩ ኔሩ። 

Ibrahim Mohamed

ወዲ ሰብ ብስጋዊ ሂወት ካብዛ ዓለም’ዚአ ክፍለ ባህርያዊ’ኳ እንተኾነ፣ ጅግና መምህር ኢብራሂ መሓመድ ኰነ፣ ካልኦት ጀጋኑ ሐርበኛታትና ንህዝቦምን ንሃገሮምን ክብሉ ተቓሊሶም ፥ ንፍትሓዊት ኤርትራ ከይረኣይዋ ክሓልፉ ብሐቂ ዘስደምም ኢዩ።

ሎሚ ነቲ ናይ ቃልሲ ብጻይና ንክቡር ሐርበኛ ሐውናን ዝኾነ መምህር ኢብራሂም መሓመድ፣ ነቲ ንሱ ዝሐደጎ ሃጓፍ ናይ ቃልሲ ቦታ ቁሊሕ ብምባል፣ ንአበርክቶኡን ነቲ ልዙብ ጠባያቱ ተሰንዩ ነዊሕ ዝጠመተ ራእዩን ብምሕሳብ እንዳተደፋነቕና፣ ንዝውንኖ ዓቕምን፣ ልቦናን ከይጸገብናዮ ክሳብ ተራና ሒዝና እነርክቦ ድሐን ኩን ጅግና ኢልና ብኽብሪ ንሳናበቶ።
በዚ አጋጣሚ ንመላእ ቤተሰቡን ብጾቱን ረቢ (አምላኽ)ጽንዓት ክህቦም፣ ንዕኡ’ውን መንግስተ ሰማይ የዋርሶ ብምባል፣ ማሕበር ምጥርናፍ ኤርትራውያን ኣምስተርዳምን ከባቢኡን ምስ ኩሎም አባላቱ ናይ ሐዘኖም ተኻፈልቲ ምዃንና ንገልጽ።

ማሕበር ምጥርናፍ ኤርትራውያን ኣምስተርዳምን ከባቢኡን

 

 

by Martin Plaut

Sudan, Qatar to sign $4 billion deal to manage Red Sea port - ministry

 

Source: Africanews 27/03 - 10:33

Sudan and Qatar will sign a $4 billion agreement to jointly develop the Red Sea port of Suakin off Sudan’s coast, Sudanese media quoted Transport Minister Makawi Mohamed Awad as saying.

Awad made the announcement during a visit by Qatari officials to Suakin on Sunday, the reports said.

Officials from Qatar’s transport ministry visiting Sudan told Reuters on Monday that the deal was being prepared but that its cost and other details had not yet been finalized.

The deal is likely to anger Sudan’s northern neighbor Egypt, which accuses Qatar of supporting the banned Muslim Brotherhood movement, which Doha has denied, and which joined a Saudi-led boycott of the gas-rich Gulf state last year.

Another neighbour, Eritrea has accused Qatar and Sudan of supporting an opposition group in its country that is led by Islamist Mohammed Jumma.

Sudan last year signed a separate deal with Turkey whereby Ankara will restore part of Suakin and construct a naval dock to maintain civilian and military vessels.

It was unclear if the Qatar deal would affect the existing agreement with Turkey.

Khartoum’s strengthening ties with Turkey and Qatar come as it pledges further cooperation with Cairo after a year of rocky relations between the two North African nations.

Sudan recalled its ambassador to Egypt in January without explanation, but allowed him to return earlier this month.

 
Martin Plaut | March 30, 2018 at 7:35 am | Tags: Qatar, Suakin, Sudan | Categories: News | URL: https://wp.me/p9mKWT-an

On 24 and 25 March, the EPDP North America Zone and the EPDP Frankfurt Branch held, respectively, very important periodical meetings, thus becoming exemplary EPDP organs in the rejuvenation and reinforcement programme to speed up the much delayed success of the struggle for democratic change in Eritrea.

 

The main agenda item of the EPDP North America Zone meeting was receiving performance reports from all branches in the United States and Canada. The meeting was highly satisfied with the success so far achieved in registering an increasing number of women as well as young boys and girls and the return to party ranks of former freedom fighters who were not so active in recent years. Meeting participants also commended the active participation in the recent fund-raising drive, and the ongoing efforts of the information and cultural units of the NA Zone.

 

 On its part, the EPDP Branch for Frankfurt and Environs held its regular monthly meeting on 25 March with an educational topic as its main agenda item. Prepared and presented by Tadesse Asmelash, the branch chairman, the three-hour long educational discussion focused on provisions related to three stages in the struggle as enshrined in the EPDP Political Programme adopted at the Second Congress in the summer of 2015. The three stages covered in the discussion paper were:

 

  • The current struggle for first removing the dictatorial regime in Eritrea;
  • The common task of all national forces in the transitional period (after the fall of the regime). Priority tasks enumerated in the EPDP Political Programme include guaranteeing peace and security, and the building of institutions that would guarantee the future democratic state, and
  • Thirdly, the political, economic and social pillars of a constitutional government in post-dictatorship Eritrea.
Wednesday, 28 March 2018 19:52

Eritrea: two more journalists arrested

Written by

unnamed

Sources for Radio Erena in Asmara have confirmed the arrest of two journalists in the past few days.

The two journalists have been working for the Ministry of Information Tigrinya and Arabic newspapers.

One is Abdulghadir Ahmed the cultural editor of Hadas Eritrea and the other is Mohamednur Ahmed the chief editor of Arabic paper Eritrea al Haditha.

Mr. Abdulghadir is the nephew of the famous Ustaz Beshir who served as a managing director of Diya’a Islamic School in Akhria, Abdulghadir himself taught in the school before joining the Ministry of Information and he is currently a member of the parents’ council of the school.

Mr. Mohamednur Ahmed has been a former fighter and longtime member of staff of the Arabic Eritrea AL Haditha paper where became editor in chief.

መሪሕነት ዞባ ሰሜን ኣሜሪካ ስ.ዲ.ህ.ኤ. ቀዳም 24 መጋቢት 2018 ስሩዕ ኣኼባኡ ኣካይዱ።

ኣጀንዳ ኣኼባ ጸብጻብ ናይ ኩለን ቤት-ጽሕፈታት ምርኣይን ምምዛንን እዩ ነይሩ።

ናይ ውድባዊ ጉዳያት ቤት-ጽሕፈት መሰረታት ሰልፊ ንምስፋሕ ዝካየድ ዘሎ ጽዑቕ ጻዕርታት ድሕሪ ምግላጽ ድሮ ሓያሎ ደቂ-ኣንስትዮ ዝርከበኦም ሓደስት ኣባላት ከም ዝተጸንበሩና ኣብሪሁ። ብዘይካ’ዚ ኣብ ዝሓለፈ መድረኻት ዝሒሎም ዝጸንሑ ኣባላት እንደገና መንፈሶም ኣሐዲሶም ክቃለሱ ከምዝወሰኑ ኣበሲሩ። ናይ ዞባ ሽማግለ ነቲ ድሮ ተመዝጊቡ ዘሎ ዓወታት ኣሞጒሱ ዝያዳ ጻዕርታት ክካየድ ተላቢዩ።

ናይ ገንዘባዊ ሽማግለ ሰልፊ ንዝመደቦ ፕሮጀክት ኣብ ግብሪ ንምውዓል ንዘካየዶ ናይ ገንዘብ ምውጻእ ወፈራ ጸብጻብ ኣቕሪቡ። ሽማግለ እቲ መደብ ዕዉት ምንባሩ መዚኑ። ኣባላት ንዘርኣይዎ ተወፋይነት ኣመጒሱ።

ናይ ዜናን ባህልን ቤት-ጽሕፈት ጸብጻብ ድሕሪ ምቕራብ ተተሊሙ ዘሎ ናይ ስራሕ መደባት ገሊጹ።

ኣኼባ ብርጉእ መንፈስን ሞራልን ዞባ መሪሕነት ሓፍ ዘበለ ኮይኑ ተደምዲሙ።  

 

ክንዕወት ኢና!

ውድቀት ንምልካዊ ስርዓት!

ክብርን ዘልኣለማዊ ዝኽርን ንስዉኣት ኤርትራ!

 

ቤት ጽሕፈት ዜናን ባህልን

ዞባ ሰሜን ኣሜሪካ ሰ.ድ.ህ.ኤ.

24 መጋቢት 2018