ርእሰ-ዓንቀጽ ሰደህኤ

ተቓወምቲ ውድባት ኤርትራ ካብ ዝሕመያሉ ብዙሕ ኢንታታት ሓደ ዘይምኽኑይ ምርባሕ እዩ። ካብዚ ሓሊፉ ፍልልያተን ኮነ ተመሳሳልነተን ሕልዊ ኮይኑ ብሓባር ክሰርሓ ዘይምኽኣለን ድማ ዝያዳ ዘሻቕል መለለይአን ኮይኑ ዝጸነሐን ዘሎን እዩ። እዚ ብሓባር ናይ ዘይምስራሕ ስኽፍታ በቲ ብደገ ኮይኑ ገለን ብፍላጥ ገለን ድማ ብዘይፍላጥ በቲ ኣተሃላልወአን ዝሓምን ዝሻቐልን ጥራይ ዘይኮነ፡ እዚ ሻቕሎት በተን ውድባት እውን ተቐባልነት ዝረኸበን ንምዕራዩ ካብ ነዊሕ ግዜ ክጸዓረሉ ዝጸነሓን ዘሎን ድኹም ጐድነን እዩ። ነዚ ድኽመት ምዕራይ ናይ ኩለን ውድባት፡ ሰልፍታትን ማሕበራትን ዘይትግበር ጭረሖ ኮይኑ ምጽንሑ ድማ ናይዚ ምስክር እዩ። “ፍልልያትና ኣወጊድናን ካለኣይ ደረጃ ኣትሒዝናን፡ ኣብቲ ንህዝብና ድሂኹ ንሃገርና ደዊንዋ ዘሎ ዲክታተር ናይ ምውዳቕ ህጹጽነት ሓደ ዝገብረና ንኡስ ፕሮግራም ብሓባር ንስራሕ” ኢልና እንእውጅ ብዙሓት ኢና። ኣካል ፖለቲካዊ መደብ ዕዮና ጌርና እነስፍሮ’ውን ከምኡ። እቶም ነዚ ዝኣወጅናዮ ከነተግብሮ ብቕንዕና እንተግህከ ክንደይ ኢና? ግና ዘዛርብ እዩ። ምጭራሕ ብዘይ ተግባር ከኣ ትርጉም የብሉን። ኣብዚ መዳይ ናይ ክሳብ ሕጂ ድኽመትና ተቐቢልና ንምእራሙ እንቃለሰሉ እምበር እንሓብኦ ኣይኮነን።

ምሕዝነት፡ ኪዳንን ባይቶን መስሪትካ ንምዕዋት ዝተኻየደ ጻዕርን፡ ከምኡ’ውን ብኽልተን ሰለስተን ኣርባዕተን … ወዘተ ውድባት ክካየዱ ዝጸንሑ ልፍንታዊ ምቅርራባትን ፈተነታትን፡ ብውሕዱ ብሓሳብ ንኣገዳስነት ብሓባር ምስራሕ ዝህብኦ ቦታ ዕዙዝ ምዃኑ ዘርእዩ ፈተነታት እዮም። እዚ ፈተነታት’ዚ ዘተባብዕ ነይሩ ከብቅዕ ክሳብ ሕጂ ካብ ኩሎም ፈተነታት ዳርጋ ኩሎም ክፍጸም ዘይምኽኣሎም ከኣ ዘሕዝን እዩ። ብዘይተፈጸሙ ፈተነታት ምሕዛን ናይቲ መስርሕ መወዳእታ ስለ ዘይኮነ፡ ሕጂ እውን እቲ ፈተነታት ቀጻሊ’ዩ ዘሎ። ክሳብ ኣብቲ እንደልዮ በሪኽ ቦታ እነብጸሖ ከኣ ክንቅጽሎ ኢና። ናይዚ ቀረባ ግዜ ተመኩሮ ዓውደ-መጽናዕቲ ፍራንክፈርትን ኮንፈርንስ ሃገራዊ ምምኽኻር ናይሮብን ከኣ ናይ’ቲ ከይተሓለልካ ዝፍተን ዘሎ ቀጻሊ ኣብነት ቃልሲ’ዩ። ህላወ ብዙሓት ሰልፍታት፡ ውድባትን ማሕበራትን ብኣና ዝተጀመረ ኣይኮነን፡ ግን ኣባና ዝያዳ ጐሊሑ ዝረአ ዘሎ ሕጽረት፡ ብፖሊሲ ብዙሕነታዊ ሓድነት ተማእዚዝና ብሓደ ክንገጥም ዘይምብቃዕና እዩ።

ስለዚ እቲ ቀንዲ ኣፍደገ ለውጢ ብውሽጢ እምበር ብግዳም ስለ ዘይክፈት፡ ንዝጅመር ሓባራዊ ተበግሶ ይብዝሑ ይውሓዱ ንምዕዋቱ ዝውስኑ እቶም ኣንቀድቱ ኤርትራውያን እዮም። እዚ ክበሃል እንከሎ ግና፡ እቶም እቲ ሓባራዊ መስርሕ ክጸልዎም ዝኽእል ዝተረፉ ውድባት ይኹኑ ማሕበራት ናብቲ ዝኸይድ ሓድነታዊ መስርሕ ተጽዕኖ ክህልዎም ዘይተረፍ ኮይኑ፡ ግምታት ክወሃቦ ቅኑዕ’ዩ። ኣብ ደንበ ተቓውሞና ዝተወሰና ውድባት ብሓባር ንምስራሕ ወይ መሊእካ ንምስማር ዝፍጠር ዓቕሚ ረብሓኡ ኣብተን ተዋሳእቲ ፖለቲካዊ ኣካላት ጥራይ ተገዲቡ ዝተርፍ ዘይኮነስ፡ ነቲ ወርትግ እንሓልሞ ግና ክሳብ ሕጂ ዘይበጻሕናዮ ናይ ኩልና ዘተኣማምንን ቀጻልን ኣንብሎ ጽላል ክንበጽሕ ዘይምኽኣልና’ዩ። እዚ ተደላዪን ንጽዕተሉ ዘለናን ሓባራዊ ግንባር፡ መተካእታ ህግደፍ ክኸውን እንተበቒዑ ኣብ መስርሕ ምርግጋጽ ደሞክራሲያዊ ስርዓት ሓደ ስጉምቲ ንቕድሚት ምዃኑ ክዝንጋዕ ኣይግበኦን። ካብዚ ተበግሶ’ዚ ብምንቃል’ውን፡ ገለ ዝተወሰና ውድባት ጥራሕ ዝወስዳኦ ተበግሶት ኣድማዕነቱ እኹል ኣይኮነን። ነዚ ንናይ ለውጢ ሓይልኻ ዝድርዕ ተበግሶ ምንኣድን ምትብባዕን ይትረፍ’ሞ፡ ሓደሓደ ንምዕንቃፉ እንሃልኽ ምህላውና ስንፍናናን ስስዐናን ካብ ምቅላዕ ሓሊፉ ሜዳ ጸላኢና ጉጅለ ህግደፍ ዘለምልም እዩ’ሞ ከነስተብህለሉ ይግበኣና። ብመንጽር እዚ ንተበገሶ ፍራንክፍርትን ናይሮብን ከነዕኩኾን ከነተባብዖን እዩ ዝግበኣና።

ነቲ ብዙሓት ብቑጽሪ ጥራይ ዘይኮነስ ብዙሕነትና፡ ብእምነት፡ ብጀኦግራፍያዊ ኣሰፋፍራ፡ ብዕድመን ተመኩሮ ቃልስን፡ ብብሄራዊ ስምዒትን ብፖለቲካዊ ኣረኣእያን ብዘንጸባርቕ ኣገባብን ብሓባር ዘስርሕ ቀጥዕን ሰፊሕ ጽላል ምምጻእ ቀሊል ኣይኮነን። ነዚ ንምዕዋት ብምዕራፋት ዝተኸፋፈለ ቅርጥው ግና ድማ እኹል ግዜ ምሃብ ኣድላይ እዩ። ጸዋራት፡ ሓላፍነታውያን፡ ብናተይ ጥራይ እዩ ቅኑዕ ዘይዓወሩ፡ ጉዳይ ህዝብን ሃገርን ዘቐድሙ፡ ከዕውትዎ ንዝደልዩ ነገራት ዘነጸሩን ምስ ዓቕሞምን ከባቢኦምን ዘገናዝቡ፡ ካብ ጸቢብ ፖለቲካዊ ኩዳ ወጺኦም ናብ ኩነታት ህዝቢ ዝቋመቱን ተዋሳእቲ ከኣ የድልዩ። እዚታት ኣብ ዘይተማለኣሉ እዚ ኣቐዲምና ዝጠቐስናዮ ጓሲኻዮ ክሕለፍ ዘይከኣል፡ ናይ ሓባር መቃለሲ መድረኽ ምዃኑ እንኣምነሉ ጽላል ግቡእ መስርሑ ሒዙ’ምበር ብኣቋራጭ ክረጋገጽ ኣይክእልን እዩ። እዚ ንብዙሓት ኣከኣኢሉ ብሓባር ዘቃልስ እሞ ክንፈጥሮ ንቃለሰሉ ዘለና ናይ ሓባር መድረኽ፡ ምናልባት ብሓደ ንግሆ ኩልኻ “ሆ” ኢልካ ትድኩኖ ዘይክኸውን ይኽእል። እቶም ዝፍልሙ ውሑዳት ኮይኖም እቶም ዝፍጽሙ ግና ብዙሓት ክኾኑ ይኽእሉ። ናትና ናይ ናጽነት ቃልሲ ኣጀማምራን ኣፈጻጽማን ተመኩሮ ዘርእየና እውን ከምዚ እዩ። ናይ ብዙሓት ወገናት ናይ ቃልስን ዓወትን ታሪኽ እውን በዚ ውሑዳት ኮይንካ ጀሚርካ ብዙሓት ኮይንካ ኣብ ዓወት ምብጻሕ ዝቃነ እዩ። እቲ ብውሑዳት ዝተጀመረ ናይ ብዙሓት እንዳኾነ ንክዓቢ ግና በቶም ናይ መጀመርያ መድመድቲ ኮነ በቶም ድሒሮም ክሳተፍዎ ዝግበኦም ኣካላት ክኽፈል ዝግበኦ መስዋእቲ ኣሎ። እቶም ናይቲ ተበግሶ ፈለምቲ፡ ካብ “ንሕና ስለ ጀመርናዮ ንሕና ጥራይ ኢና ኣብ መወዳእታ ነብጸሖ” ዝሕመረቱ ጸቢብነት ክወጹ ይግበኦም። ዝጐድሎም ሓይሊ ከም ዘሎ ተረዲኦም፡ ዝበዝሕሉን ዝሕይልሉን እምበር ነቶም ምስኦም ዘይጀመሩ ዝቐጽዕሉ ዓጋቲ መርበብ ክዝርግሑ ኣይግበኦምን። እቶም ብባዕላዊ ድዩ ብወድዓዊ ምኽንያት ኣብቲ መጀመርታ ኣካል’ቲ ተበግሶ ዘይኮኑ ኣካላት ድማ፡ መዓስ፡ ብመንን ኣበይን ተወጢኑ ብዘየገድስ ጽባሕ ኣካሉ ከም ዝኹኑ ተገንዚቦም ንድኽመታቱ እንዳኣረሙን ርትዓዊ ነቐፈታ ኣንዳሃቡን፡ ነቲ ኣውንታዊ ጐድኑ ድማ ብፍትሓዊ ናእዳን ምትብባዕን ከሰንይዎ ይግበኦም። እዚ ኣገባብ’ዚ ብሓባር ናይ ምቅላስ ቅሩብነት እንተልዩካ፡ ፈቲኻ እትኽተሎ ጸሊእካ ድማ እትሕሰሞ ዘይኮነ ግድን ክትስዕቦ ዘለካ ሓላፍነታዊ ኣካይዳ እዩ። ኣብ ናይዚ ቀረባ ተበግሶ ፍራንክፈርትን ናይሮብን ዝወዓሉን ዘይወዓሉን ወገናት ክኽተልዎ ዝግበኦም ኣተሓሕዛ’ውን ካብዚ ውጻኢ ክኸውን የብሉን ዝብል እምነት ኣለና።

እቲ ኣዝዩ ዘተሓሳስብ፡ ኩልኻ ብዜግነት ኤርትራውያን፡ ብፖለቲካዊ ሚዛንካ ኣንጻር ህግደፍ፡ ብዕላማ ኣብ ክንዲ ህግደፍ ብዝህዝቢ ዝምረጽን ብሕገ-መንንግስቲ ዝቕየድን ብዙሕነት ዝጸውር ስርዓት ክትምስርት እትተግህ እንዳሃለኻ፡ ኣምበርዶኸ ናይ ሓባር ዕላማ ኣለና እዩ ክሳብ ዘብል፡ ሓደ ኣጋጣሚ ወይ ናይ ሓባር ፖለቲካዊ መጋባእያ ክፍጠር እዩ ክበሃል እንከሎ፡ ጌና ብዛዕባ ምንታይ ከም ዝዛረብን ኣብ እንታይ ውሳነ ከም ዝብጻሕን ከይተፈልጠ ንዘይምስታፍካ ምኽኑይ ክትገብር ክትብል ዝፍጠር ዓንቃፊ ደሮና እዩ። ገለ ወገናት ብዛዕባ ሓደ ጉዳይ ገለ ዘይትገብሩ ይብሉኻ። ንኣብነት ብሓባር ዘስርሕ ናይ ለውጢ ሓይልታት ጽላል ከም ምፍጣር። ደሓር ምስተበገስካ ድማ ኣብ ክንዲ “ኣጆኻ” ዝብሉኻ፡ ተጻባእትኻ ይኾኑ። ሽዑ ከኣ እዩ “ኩሉ ወዮ” እምበር ኮይኑ ክትብል ዘገድደካ። ካብ ተመኩሮና ተማሂርና፡ ንህልዊ ኩነታትናን ከባቢናን ኣብ ግምት ኣእቲና ነዚ ንዕዘቦ ዘለና ብሓባር ናይ ምስራሕ ንቕሎታት ከኣ ከነመጉሶን ክንስዕቦን ይግበኣና።

2 ታሕሳስ 2015

1፡ ኣብዚ እዋንዚ ኣብ ኤርትራ ዘሎ ስርዓት ዲክታቶርያዊ እዩ። ኣብታ ሃገር ሕገ-መንግስቲ የለን። ብደረጃ ሃገር ኮነ ከባቢ ዝካየድ ፓርላሜንታዊ ምርጫ የለን። ከምዚ ብምዃኑ ህዝቢ ዝውክል ሓጋጊ ኣካል የለን። ስርዓተ-ሕጊ የለን። ሰብኣዊ መሰል ኣይክበርን እዩ። ናይ ምቅዋም መሰል እውን የለን። እቲ ዲክታተርያዊ ስርዓት ይቃወሙኒ ኣብ ልዕሊ ዝብሎም ኣካላት ዘካይዶ ማእሰርቲ፡ ስቓይን ቅትለትን ቀጻሊ ኣሎ። ኣብ እታ ሃገር ዘሎ ምእኩል ፖሊሲ ቁጠባ ብቀጥዒ ዘየብሉ ስራሕ ኣልቦነትን ድኽነትን ዝግለጽ እዩ። መወዳእታ ብዘየብሉ ግዱድ ዕስክርና መንእሰያት ነቲ ዲክታቶር ከገልግሉን መወዳእታ ንዘየብሉ ዝኸፍቶ ውግኣቱ ዝተፈርድሉ እዩ። መንእሰያት ካብዚ ንምድሓን ብብዝሒ ሃገሮም ገዲፎም፡ ንህይወቶም ውሕስነት ብዘየብሉ ጉዕዞ፡ ህይወቶም ንምድሓንን ናይ ምንባር ቀጻልነቶም ንምርግጋጽን ይስደዱ ኣለዉ። እዚ ስደት ኤርትራውያን መንእሰያት ነተን ዝቅበላ ሃገራት እውን ሰከም ኮይኑወን ዘሎ እዩ።

2፡ ተቓውሞ ኣንጻርዚ ዲክታቶርያዊ ስርዓት ኣብ ውሽጢ ሃገር ኮነ ኣብ ወጻኢ ይዓቢ ኣሎ። እቲ ንክልቲኡ ናይ ተቓውሞ ሓይልታት ንምውህሃድ ዝግበር ዘሎ ቃልሲ ርዱእ ኮይኑ፡ ነዚ መስርሕ ፈጺምካ ኣብቲ ዘድለ ውጽኢት ንምብጻሕን ውድቀት ናይቲ ዲክታቶርያዊ ስርዓት ሃጓፍ ብዘይፈጥር ንምዕዋትን ጌና ቀጻሊ ጻዕሪ ዝሓትት እዩ።

3፡ እቲ ኣብ ናይሮቢ ኣብ 27-29 ሕዳር 2015 ዝተኻየድ ሃገራዊ ምምኽኻራዊ ኮንፈረንስ፡ ብዛዕባ ህልዊ ኩነታት ሃገርና ካለኦት ጉዳያትን ዘትዩ እዩ። ማለት

3፡1 ሓያልን ድኹምን ጐድኒ ዲክታቶርያዊ ስርዓትን ተቓውሞን።

3፡2 ስርዓት ኣብ ምቕያር ዘሎ ብደሆታትን ከጋጥሙ ዝኽእሉ ተኽእሎታትን;

3፡3 ቀጻልን ዝሓየለን ሃገራዊ ሓድነት ምርግጋጽ

3፡4 ሓቢርካ ነቶም ብደሆታት ንምምካት ዘኽእል መስርሕ ምዝርጋሕ

4፡ ተሳተፍቲ እዚ ሃገራዊ ምምኽኻራዊ ኮንፈረንስ ኣብ ውሽጥን ኣብ ወጻእን ዘሎ ተቓውሞ ኣብ ሓባራዊ ፖለቲካዊ መድረኽ ንምምጽኡ ዘለዎ ኣድላይነት ብምርዳእ ብሓደ ክሰርሑ ተሰማሚዖም። ማለት

4፡1 ምሕላው ልኡላውነትን ግዝኣታዊ ሓድነት ሃገረ ኤርትራ

4፡2 ናይ ኩሎም ደገፍቲ ደሞክራሲ ሃገራውያን ሓይልታት ኣስተዋጸኦ ናብ ናይ ሓባር ዕማም ከም ዘተኩር ምግባር።

4፡3 ነዚ ዲክታቶርያዊ ስርዓት ብሕገመንግስታዊ ስርዓት ምትክኡ።

4፡4 ስሩዕ ምስግጋር ንምርግጋጽ ኣድላይ ዘበለ ስጉምትታት ምውሳድ

4፡5 ግዝያዊት ናይ ርክብ ኣካል ምቛም

ሀ፡ምስ ኵሎም ተቓወምቲ ብምርኻብ መድረኽ ምስግጋር ብልሙጽ ኣገባብ ንምክያድ ዘኽእል ሓባራዊ ራእን ሓባራዊ ናይ ትግባረ መደብን ምቕራጽን ምትግባርን፤

ለ. መስርሕ ዲሞክራሲ ንምቅልጣፍ ኵሎም ተቓወምቲ ውድባት ዝካፈልሉ ኣኼባ ምድላው።

5፡ ኣብ'ዚ ኣኼባ'ዚ እተሳተፉ ውድባት፦

1. ሰልፊ ዲሞክራሲ ህዝቢ ኤርትራ

2. ግንባር ሃገራዊ ድሕነት ኤርትራ

3. ሰልፊ ዲሞክራሲ ኤርትራ

4. ተጋድሎ ሓርነት ኤርትራ

5. ሰልፊ ናህዳ ኤርትራ

6. ፈደራላዊ ዲሞክራስያዊ ምንቅስቓስ ኤርትራ

7. ኤርትራዊ እስላማዊ ሰልፊ ንፍትሕን ልምዓትን

8. ሰልፊ ጕባኤ ኤርትራ (ስትራተጂ ዓዲ)

9. እስላማዊ ህዝባዊ ጕባኤ ( እስላሕ)

10 ኤርትራዊ እስላማዊ ጕባኤ

11. ኤርትራዊ ሃገራዊ መድረኽ ንዘተ

12. ዲሞክራስያዊ ግንባር ንሓደነት ኤርትራ (ሳግም)

ናይሮቢ 29 ሕዳር 2015

1. A highly centralised authoritarian dictatorship exists in Eritrea. No constitution exists in the country, and there have never been any parliamentary elections, whether local or national, leaving the country with no legislative body or representative government. Rule of law is absent; basic human rights are denied; and any dissent is crushed. The regime continues to imprison, torture and execute opponents with impunity. The command economy is in shambles, accompanied by mass unemployment and extreme poverty. Compulsory conscription has become the lot of the youth, who are forced to toil for life for the dictatorship and fight its unending wars. The youth are fleeing the country in droves, risking their lives to seek safety and the means to sustain themselves and their families, thus becoming burdens to host countries.

 

2. Opposition to the regime is growing at home and in the Diaspora. However, despite commendable efforts to build a stronger linkage between the two and to forge a more coherent coalition of the diaspora opposition, much more needs to be done to bring these efforts to fruition and ensure that the imminent downfall of the dictatorial regime does not lead to political vacuum and internal implosion.

 

3. The National Consultative Conference (NCC), held in Nairobi on 27-29 November 2015, deliberated on the prevailing situation in the country and, more specifically, discussed:

3.1 The strengths and weaknesses of the Eritrean regime and the opposition;

3.2 The challenges and dilemmas of regime change and possible scenarios of transition;

3.3 Sustaining and further strengthening national unity;

3.4 A framework to address the challenges of working together;

 

4. Convinced of the need for all opposition organisations in the Diaspora and inside the country to coalesce around a common political platform, the participants of the NCC agreed to work together to:

4.1 Safeguard the sovereignty and territorial integrity of the State of Eritrea;

4.2 Channel efforts of all national pro-democracy forces towards the pursuit of the common purpose;

4.3 Replace the dictatorial regime with a constitutional government;

4.4 Draw up the necessary measures to ensure an orderly transition; and

4.5 Establish an Ad-hoc Contact Organ to:

a. Draft a common vision and program of action, in close consultation with political organisations, for a smooth transition to a democratic order.

b. Prepare for the next all-inclusive meeting of opposition organisations to discuss ways and means to accelerate democratic transition.

 

5. List of participating organisations:

1. Eritrean Liberation Front

2. Eritrean National Salvation Front

3. Eritrean Peoples’ Democratic Party

4. Eritrean Democratic Party

5. Eritrean Nahda Party

6. Democratic Front for Eritrean Unity

7. Eritrean Congress Party

8. Eritrean Islamic Islah Movement

9. Eritrean Islamic Congress

10. Eritrean Islamic Party for Justic & Development

11. Eritrean Federal Democratic Movement

12. National Forum for Dialogue

Nairobi, 29 November 2015

እዛ እንነብረላ ዓለም ኩርኳሕ ምዃና ዋላ እቲ ሓዲሽ ዝውለድ ወይ እትውለድ ህጻን ካብቲ ምውቕ ማሕጸን ወላዲት ወጺኡ እንተስ ጠምዩ፡ እንተስ ተጽሊእዎ፡ እንተስ ቆሪሩዎ፡ እንተስ መይቁዎ ኩሉ ብብኽያት እዩዝ ገልጾ። ልክዕ እዩ ካብቲ ማሙቕ ኣዳራሽን  ካብቲ ካብ ወላዲቱ ተኻፊሉ ዝምገቦ ዝነበረ ደገ ምስ ወጸ ናይ ግድን እምበር ክበኪ። ኣብዛ ዘይፈልጣ ዓለም መጺኡ ነቲ ስቅያቱ ብኽገልጸሉ ዝኽእል እዩ ዝገልጾ። ሽሕእኳ እንተዘይተዛረበ፥ ኩሉ እቲ ዝነበሮ ባህርያዊ ምክልኻልን ባህሪያዊ ኣመጋግባን ምሉእ መሰልን ናጽነት ተሓሪሙ ድኣ ከምይ እዛ ዓለም ኩርኳሕ ምዃና ዘይፈልጥ። እዚ ህጻን እዚ ካብ ሕቚፊ ወላዲቱ ወሪዱ ብእግሩ ክኸይድን ባዕሉ ክምገብን ምስ ጀመረ ኣትሒዙ ክሳብ 12 ወይ 14 ዓመት ዝዕድሚኡ ዝበጽሕ ሓንጎሉ ንጹህን ጸጽቡቑ ዝሓስብን እምበር ተንኮል፡ ክፍኣት፡ ትዕቢት፡ ቅርሕንትን ጽልእን ኣይፈልጥን እዩ። ለካስ በዚ ምኽንያት እዩ “ከም ህጻናት ንጹሃት ኩኑ” ዝብል ጽሑፍ ዝርከብ! ኣበው እውን “ኩሉ ግዜ ቆልዓ እንተትኸውን” ዝብልዎ ብሂል ኣሎ።

“ወዲ ሰብ ዓቕሚ ኣዳም ወይ ህይዋን ምስ ኣኸለ ደኣ እሞ እንታይ ወሪድዎ እዩ ንሓንጎሉ በታ ህጻንነቱ ከሎ ካብ ክፍኣትን ተንኮልን ርሒቑ ንኣእምሮኡ ኩሉ እቲ ሰሰናዩን ጸጽቡቑን ብሓፈሻ እወንታዊ ሓሳብ ክሓስብ ከም ዘለዎ ዘየስርጽ።?” ዝብል ሕቶ ክለዓል ግቡእ እዩ። እዛ ዓለም ኩሉ ሓቚፋ እትርከብ ብምዃና ኣብቲ ናይ ምውድዳር ዓለም ምስ ኣተወ ወዲ ኣዳም ናይ ስሰዐን ኣነ እበልጽን ትዕቢትን ገጹ ስለ ዝኸይድ፡ ነቲ ሰሰናዩ ምሕሳብ ደጊም ቦታ እናጸበቦ ይጎዓዝ እሞ እቲ ቦታ ነቲ ክፍኣትን ተንኮልን ይገድፈሉ። ወዲ ኣዳም እምበኣር ብፍጥረቱ ንዓለማዊ ነገር ኣብሊጹ ክጥምት ኣብ ዝጅምረሉ እዋን ከኣ ኩሉ እቲ ናይ ክፍኣት ዘበለ እውን ምስኡ ይኽተሎ። ካብዚ ነቒሉ ምስቲ ናይ ውድድር ዘለዎ ዕላማ ንኣሉታ እምበር ብእወንታ ክሓስብ ኣብ ዘይክእለሉ ደረጃ ይበጽሕ። ምስ እዚ ከኣ እቲ ቀንዲ ምኽንያት እቲ ናይ ማሕበራውን፡ ቁጠባውን፡ ከባቢያውን ከምኡ እውን ኣተዓባብያን ምቅይያራት ዘምጽኦ ጸገም እውን ክህሉ ይኽእል እዩ።

እዛ ዓለምና እምበኣር ኣሉታውን እወንታውን ኣተሓሳስባ ደቂ ሰባት ዝበራረዩላን ዝጸልውዋን እያ። በዚ ምኽንያት ከኣ እዩ ኣብዛ ዓለምና ኩሉ እቲ ናይ ጥፍኣት ይኹን ናይ ህንጸት ምህዞታት ዝረአ ዘሎ። ንነፍሲ ወከፍ ሰብ እምበኣር፡ ንኣእምሮኡ ናይ እወንታ ሓሳብ ከስርጽን ብኡ መሰረት ክጎዓዝን እንተፈቲኑ ልቡ ብፍሰሃ ንደስታን ታሓጓስን ይመልእ እሞ ካብ ክፉእ ምሕሳብን ምህቃንን ይድሕን። መላእ ሕብረተሰብ እውን ቅሳነትን ሰናይ ሓሳባትን ሒዙ ንኽጎዓዝ ኣይምጸገሞን። እዚ ናይ እወንታዊ ኣተሓሳስባ ምስራጽ ግን ከም ስዕረት ወይ ድኽመት ክቑጸር ኣይግባእን። ከምኡ እውን ብደረጃ ነቲ ዝደለኻዮ ወይ ዝሓሰብካዮ ካብ ዘይምርካብ ዝብገስ ክኸውን እውን የብሉን። ምኽንያቱ እቲ ካብ ውሽጢ ዝነቐለ እወንታዊ ኣተሓሳስባ እዩ ንነገራት ብግቡእ ክእለዩን ፍታሕ ክረኽቡን ዝሕግዝ። ካብኡ ብዝተረፈ ከሎ ገና ብኣሉታዊ ኣተሓሳስባ ነቒልካ፥  ብስምዒት ዝተጸልወ ሓሳብ ናጻ ስለ ዘይከውን ኩሉ ጉዳያት ቄናን ርድኢት እምበር ቅኑዕ ፍታሕ ኣይርከብን።

እወንታዊ ኣተሓሳስህባ ክህልወካ እንከሎ እወንታዊ ራእን ቅኑዕ ጠመተን ቅኑዕ ባህሪ ወይ ጠባይ ክትውንን ስለ እትኽእል ንረብሓኻ ጥራሕ ኣብ ክንዲ ምጥማት ንረብሓ ኩሉ ዝብል ሓሳብ ተሕድር። እዚ ከኣ ብወገኑ ካብ ጽልኢ፥ ቅርሕንቲ፥ ስሰዐን ፍትወተ-ነፍስን የድሕነካ እሞ ነቲ ማሕበረሰብ ንቅኑዕ ኣቕጣጫ ሒዙ ክጎዓዝን ተኣማኒነት ዘለዎ ምትእስሳር ክፈጥርን ይኽእል። ኣብ ከምዚ ኩነታት እምበኣር ንፖለቲካውን ማሕበራውን ቁጠባውን ቅልውላዋት ኣብ ምፍታሕ ክትብገስ ከሎኻ ኣእምሮኻ ንኻልኦት ብዘይጎድእን፥ ብዘይዕምጽን ሓሳብ ስለ ዝነቅል ቅኑዕ ፍታሕ ክተመንጩ ከም ትኽእል ርዱእ እዩ። እዚ ዝኾነሉ ቀንዲ ምኽንያት ከኣ እቲ ኣተሓሳስባኻን ጠመተኻን ብእወንታ ስለ ዝብገስ ነቲ ናይ ፍታሕ ምንዳይ ዕማም ከይተጠምዘዘ ብቐሊሉ ክማላእን ደቂ-ሰባት እውን ነቲ እተቕርቦ ፍታሕ ወይ ርእይቶ ክኣምኑኻ ይኽእሉ።


እዚ ንኣእምሮና ብእወንታዊ ኣተሓሳስባ ከም ዝቐርጾ እንተገርናዮ፥ ሰብ ክውጻዕ ይኹን ክጽገም  እንከሎ መፍትሒታት ክተናድን ክትሕግዝን እዩ ዝተባብዓካ። ከምኡ እውን እቲ ምስ ካልኦት ዝጥረ ዝምድና ከም ዝድልድልን ከም ዝሰፍሕን እዩ ዝኽወን። ስለዚ ህይወት ኩሉ ግዜ ለማጽ ኣይኮነን እሞ፥ ነዚ ተገንዚብና ብእወንታዊ ኣተሓሳስባ ኣቢልና ናብ ለማጽ ክንቅይሮ ክንክእል ኣእምሮና ንእወንታዊ ኣተሓሳስባ ቅሩብ ክኸውን ክንቀርጾ ኣሎና። ካብዚ ብምንቃል ንእወንታዊ ኣተሓሳስባ ጥራሕ ሒዝና ምስ እንነቅል ነቲ ብሩህ ዝኾነ ተስፋ ደኣ እዩ ዝረኣየና እምበር እቲ ጽልሙት ተስፋ ኣይረኣየናን እዩ። ከመይሲ ብገስ ከይበልካ ናብቲ ብሩህ ስለ እተማዕዱ እቲ ዝረኣየካ ከኣ ብሩህ እዩ ዝኸውን። እዚ ኣተሓሳስባ እዚ እዩ ከኣ ኣብ ፖለቲካዊ ምንቅስቓሳት ዘለዋ ውድባትን ሰልፍታትን ክህልወን ዝግበኦ። እዚ ኣተሓሳስባ እዚ ስለዘይሰረጸ ከኣ እዩ እቲ ኣብ ነንሓድሕደን ዝገብረኦ ምቅርራብ ይኹን ምርሕሓቕ ክጸልዎ ዝኽእል። ስለዚ ኩሎም እቶም ብኣሉታዊ ኣተሓሳስባ ዝነቕሉ፥ ነቲ ናይ ቅርሕንትን ምርሕሓቕን ሓሳባት ጥራሕ ተመርኲሶም ክጎዓዙን ንነግራት ብኣሉታዊ ገጻቱ ክጥምትዎን ስለዝህቅኑ፡ ሰላም ይኹን ዕርቂ ንኽርከብ ማለት ዘበት እዩ።

ከም ኣብነት ንሓደ ፍታሕ ዘድልዮ ጉዳይ ኣብ ምፍታሕ  “ኣነ ካብ መንዶ ይሓምቕ ተጋግየ ዝብል” ካብ ዝብል ሓሳብ ተበጊስካ ኣነ ጥራሕ እየ ስዒረ ክወጽእ ዘለኒ ስለ እትብል ፍታ ኣይርከብን እዩ። እዚ ከኣ ንሓንጎልካ ከሎ ገና ብኣሉታዊ ሓሳብ ሰጒድካዩ ስለ እትብገስ እታ ንስኻ ትደልያ እምበር ኣብ ንኹሉ ዘይሃሲ ፍታሕ ከምዘይትሓስብ ይገብረካ። ብተወሳኺ ኩሉ እቲ ካብ ውሽጢ ኣእምሮኻ ዘሎ ሓሳብ ተበጊሱ ዝወጽእ ሓሳባት ድማ ንጌጋ እምበር ናብ ቅኑዕ ኣየምራሓካን እዩ። ካብዚ ነቒልካ ድማ ነቲ ኣዝዩ ተሪርን ኩርኳሕን ዝኾነ ነገራት ናብ ዝሓሸ ወይ እውን ንኣኻን ንከባቢኻን ዘሕጉስ ንምቕያር ዘሎ ተኽእሎ ይዕጾ እሞ ናብ ኣንነትን መን ከማይነትን ኮታ ናብ ዘየድሊ ዋጢጥ ትኣቱ። ብተወሳኺ ኹሉ ሰብ ከኣ በታ ንስኻ ዝሓስብካያን በታ ንስኻ ክትጓዓዛ መዲብካያ ዘሎኻ ጐደናን ስለ ዘይጓዓዝ ኣንጻሩ ኣብ ዝገደደ ቅርሕንቲ ትጥሕል። ምስቶም ምስ ናትካ ሓሳባት ዘይቃደዉን በቲ እትደልዮ ጐደና ዘይጓዓዙን ድማ ክህልወካ ዝኽእል ዝምድና ሓርፋፍ ይኸውን እሞ ንኹሉ ብኣሉታ ጥራሕ ክትጥምቶ ትግደድ። እዚ ከኣ ንሓንጎልካ ቅሳነት ከሊኡ ንጥዕናኻ እውን ጎዳኢ ኰይኑ ኣብቲ ዝሓሰብካዮ እንተዘይሰለጠ ነቲ ብእወንታ ዝሓስብ እውን ከይተረፈ ንኽትጻረሮ ትዕጠቕ።


እቲ እወንታዊ ሓሳብ ጥራሕ ዘስረጸ ኣእምሮ ግን ኩሉ ግዜ እወንታውን ናይ ተገዳስነት ባህሪ ወይ ጠባይ ክውንን ስለዝኽእል  ፍተሓት ንኹሉ ዘዕግብ ክኸውን በቲ ግቡእ ኣገባብ ስለ ዝሕዞም ኣብ ዓወት ይበጽሕ። ከምኡ እውን ምስ ደቂ ሰባት ክህልዎ ዝኽእል ርክብን ዝምድናን ዓሚቚን ተሪርን ስለዝኸውን እቲ ምትእምማን እናደልደለ ይኸይድ።

ኣብ ዓለምና ዝካየድ ዘሎ ናይ ምቅትታልን ምጭኽኻንን ስጒምቲ እምበኣር፥ እቲ ኣእምሮ ብኣሉታውን ክፉእ ግብርን ሕነ ምፍዳይ ካብ ዝመልአ ሓሳብ ዝነቅል እዩ። ከምቲ ኣበው “ዝዘራእካዮ ኢኻ እትሓፍስ” ዝበልዎ እዩ ነገሩ። እቲ ብእወንታ ሓሳብ ዝኘቐለ እወንታ ምህርቲ ይረክብ፥ እቲ ብኣሉታዊ ኣተሓሳስባ ዝነቐለ ከኣ ኣሉታ ይጽበዮ። ስለዚ መን ኣሎ ኣብ ዓለም እሾኽ ዘሪኡ ስርናይ ዝዓጸደ፡ ብኸምኡ ከኣ እዩ ብኣሉታ ዝበገስሲ ሰናይ በየን ክጸንሖ ዝበሃል። እወንታዊ ሓሳብ ንሰላም ዝዕድምን ንብልጽግና  ዘማዕዱን ንኹሉ ብማዕረ ዝርእን  ስለ ዝኾነ ኢና ኣእምሮና ብእወንታዊ ሓሳብ ኣስሪጽና ክንስዕቦ ዝግበኣና።
ድራር  መንታይ 

 

بعد أن تجاوز أعضاء فرع حزب الشعب الديمقراطي الارتري بجنوب ألمانيا معوقات الحصول علي مقر قاموا بعقد اجتماعهم الدوري بمدينة شتوتغارت في الرابع عشر من نوفمبر 2015م.

 

ناقش الاجتماع الأجندة التالية:

 

أ/ تقييم عام لعمل الفرع:

بعد التقييم الشامل لعمل الفرع توصل المجتمعون الي أن الاجتماعات التي تجرى عن بعد عبر الوسائط الالكترونية لم تكن قادرةً علي إنجاز أعمال الفرع علي الوجه المطلوب، لذلك رأى الاجتماع أن الاجتماعات المباشرة أنجع وسيلة لإنجاز الأعمال ومن ثم ضرورة اتباع هذه الوسيلة في عقد الاجتماعات القادمة.

 

ب/ المهام المشتركة:

بما أن هناك مهام نضالية مشتركة بين كل الناشطين في الحقل النضالي من أجل التغيير الديمقراطي في ارتريا رأى الاجتماع ضرورة تنسيق الفرع مع فروع بقية العاملين في هذا المجال في كل الموضوعات والقضايا المشتركة.

وإنفاذاً لهذا القرار تواً شارك المجتمعون في الأمسية الغنائية المشتركة التي أحيتها فرقة ( إمبي نملكي) ( لا للدكتاتورية ) والتقوا خلالها بعدد من الناشطين السياسيين والمجتمعيين ناقشوا معهم الشأن الارتري العام.  

عقد فرع حزب الشعب الديمقراطي الارتري بفرانكفورت وضواحيها اجتماعه الدوري في الخامس عشر من نوفمبر 2015م.

 

افتتح الاجتماع أعماله بكلمة ترحيبية من سكرتير الفرع السيد/ أفورقي كداني، ثم تناول المجتمعون بالمناقشة والتقييم أعمال الفرع خلال الدورة المنصرمة، كما تم تنوير الحضور بمجريات ومخرجات الاجتماع الالكتروني الشامل لعضوية الحزب الذي عقد في السابع من نوفمبر 2015م. 

 

تناول الاجتماع الفرصة التي أتيحت لوفد قيادة الحزب لحضور ومخاطبة اجتماع البرلمان الأوربي المعقود في التاسع من نوفمبر 2015م والتي تمكن من خلالها من إسماع صوت الحزب المعترض علي منح الاتحاد الأوربي مبلغ 200 مليون يورو للحكومة الارترية لأنها ليست أهلاً لصرفها في مجالي التنمية وتحسين أوضاع حقوق الانسان حسبما يتطلب الغرض الممنوحة له. ثم انتقل الاجتماع لمناقشة أجندته الأخرى.

Frankfurt151115 2

 

البند الثاني من أجندة الاجتماع كان مناقشة دور الشباب ومشاركته في النضال من أجل التغيير الديمقراطي وابتدرت المناقشة الأخت/ فيبن قديوون عضو قيادة الفرع وعضو المجلس المركزي للحزب، كما حضر الاجتماع أعضاء قيادة اقليم أوربا ومنطقة ألمانيا.

 

يجدر بالذكر أنه كان للشباب في هذه الجلسة حضور مكثف، حيث تقدموا الصفوف وأداروا جلسات الاجتماع وساهموا بقوة في المناقشات المتعلقة بدورهم ومشكلاتهم، مما بعث الأمل في النفوس أنهم بالفعل سوف يكونون قادة المستقبل. 

Frankfurt151115 3

 

بل أعلنوا أنهم من أشد المعنيين بأمر التغيير لأنه سوف ينهي عذاباتهم وتشردهم الذي تسبب فيه النظام الدكتاتوري الأرعن.

ناقش الاجتماع العديد من مشكلات الشباب وفي ختام ذلك اتفق المجتمعون علي ضرورة التشبث بالأهداف والشعارات التالية: لنتمسك بهويتنا الوطنية، لنعمل علي إيجاد ارتريا التي يسودها السلام والديمقراطية والعدالة، ولنعمل بعد ذلك علي تنمية وتطوير بلادنا. هذا وبعد مناقشاتٍ ثرة وساخنة أنهى الاجتماع جلساته بإحياء ذكرى الشهداء.

تلقينا ببالغ الحزن والأسى نبأ وفاة المناضل الكبير سيد احمد محمد هاشم في الثالث عشر من نوفمبر 2015م بمدينة جدة السعودية.

الفقيد أحد أفراد الرعيل الأول المؤسس للثورة الإرترية، حيث شارك في تأسيس جبهة التحرير الارترية في 1960م كتنظيم سياسي سابق لإعلان الكفاح المسلح، إذ كان عضواً بالمجلس الأعلى للجبهة وفي المؤتمر الوطني الأول عام 1971م اختير مراجعاً عاماً للتنظيم.

إن حزب الشعب الديمقراطي الارتري إذ يشارك الشعب الارتري وذوي الفقيد وأسرته الأحزان لا يملك إلا أن يسأل الله أن يتغمده بواسع الرحمة والمغفرة ويلهم آله وذويه

الصبر وحسن العزاء ، إنا لله وإنا إليه راجعون

በይ ኤርያ ኤርትራውያን ንዲሞክራስያዊ ለውጢ ብስምምዕን ኣውንታዊ ራኢን ናይ ኩሎም እቶም ኣብ በይ ኤርያ ዝርከቡ ኤርትራውያን ናይ ለውጢ ሓይልታት ምርኩስ ጌሩ ዝተመስረተ፡ ኣብ ኤርትራ ዲሞክራስያዊ ለውጢ ንምንጋስ  ብኹሉ ዓቕሙ ዝሰረሕ ዘሎ ምትእኽኻብ ‘ዩ። እዚ ህዝባዊ ምንቅስቓስ ኣብ ሕዳር 2013፡ ድሕሪ እቲ ኣብ ላምፐዱሳ ዘጋጠመ ዝስካሕክእ ሞት ኣስታት 400 ኤርትራውያን ብስሩዕ መሪሕነቱ መሪጹ ስርሑ ዝጀመረ ንሓድነትን ሃገራዊ ረብሓን ኩላቶም ኤርትራውያን ንምውሓስ እጅግኡ ሰብሲቡ ዝሰርሕ ዘሎ ናይ ለውጢ ማእከል ‘ዩ።

ራእን ተልእኾን ምንቅስቃስ በይ ኤርያ ኤርትራውያን ንዲሞካስያዊ ለውጢ ብሕጽር ዝበለ ኣብዚ ዝስዕብ ምሉእ ሓሳብ ክጠቓለል ይኽእል እዩ። ነቶም ኣብ ፖለቲካዊ ስነ- ሓሳብን ኣገባብ ቃልስን ፍልልይ ዘለዎም ፖለቲካውያን ፓርትታት፡ ሲቪካውያን  ማሕበራትን፡ ብውልቆም ዝንቀሳቐሱ ኤርትራውያን ናይ ለውጢ ኣካላትን ፡ ኣብቲ ዝሰማምዕሉ ዝበዝሕ ሓባራዊ ሃገራዊ ጉዳያት ተዋሃሂዶም ብምስራሕ ስጡም ዝኾነ ህዝባዊ ቃልሲ ብምክያድ፡ ነዚ ኣብ ከርሲ ሃገርና ነጊሱ ዘሎ ዓማጽን ጨቋንን ስርዓት ሳቮያ ብምባል ንክጸርግዎ ባይታ ንምፍጣር ከይተሓለልካ ምስራሕ እዩ።
በይ ኤርያ ኤርትራውያን ንዲሞክራስያዊ ለውጢ ካብ ዝምሰረት ክሳብ ሎሚ ብርክት ዝበሉ ንጥፈታት ኣካይዱ ኣሎ። ምድላው ንጉዳይ ኤርትራ ንማሕበረሰብ ዓለም ዘላልዩ ሰለማዊ ሰልፍታት፡ ምእንጋድ እቲ ብኹቡር ኣቦና ነፍስሄር ዶር. ተወልደ ቫካሮ ኣብ ሰሜን ኣመሪካ ዝተኻየደ ናይ ሓድነት ዑደት፡ ምድላው ንስምረትን ሓድነትን ኤርትራውያን ዝጽዉዕ ባህላዊ ምዝንግዓት ብኣጋጣሚ ሓድሽ ዓመት፡ 24 ግንቦት ፡ ኣህጉራዊ መዓልቲ ደቂ ኣንስትዮ፡ ቶጎርባ : ምጅማር ብረታዊ ታጋድሎ ፡ ምክያድ ናይ ዝኽሪ እግሪ ጉዕዞን ናይ ሽምዓ ሰልፍን ኣብ ግዜ መዓልቲ ሰማእታትን ሓዘነን፡ ፖለቲካዊ ንቕሓትን ስነ ሓሳብን ኣባላቱ ክብ የብሉ እዮም  ዝበሎም ሰሚናራትን ኣኼባታትን ምክያድ ከም ኣብነት ክጥቀሱ ይኽእሉ እዮም። ሓደ ካብቲ ኣንጻር ህግደፍ ዝተመዝገቡ ዓበይቲ ዓወታት እዚ ማህበር ፡ ህግደፍን ሰዓብቶምን ንነዊህሕ ዓመታት ዝጥቀምሉ ዝነበሩ ኣዳራሽ ከተማ ሪችመንድ : ሎሚ ዓመት እዚ ከተማ ሓንሳብን ንሓዋሩን ከም ዝኽልክሎም ገሩ ።

ሎሚ ዓመት ውን ምንቅስቃስና ነቲ ብህዝባዊ ምንቅስቃሳት ሰሜን ኣመሪካ ዝተዳለወ ኣብ 29 ጥቅምቲ 2015 ዝተኻይደ ብናይ ንውዮርክ ደሞ ዝፍለጥ ብብዙሕነቱን ተሳታፍነቱን ፍሉይ ዝኾነ ሰለማዊ ሰልፊ ኣብ ምዕዋት ከይተሓለለ ሰሩሑን ፡ ኣስታት 40 ካብ  ኣባላቱን ፋይናንሳዊ ሓገዛትን ብምስዳድ ውን ብቐጥታ ተሳቲፉ። ኣብዚ ዝመጽእ ዘሎ ወርሒ ታሕሳስ ውን ንሳልሳይ ግዜ ህዝባዊ ጉባኤኡ ኣካይዱ ሓድሽ መሪሕነት ብምምራጽ፡፡ ነዛ እትመጽእ ዘላ ሓዳሽ ዓመት 2016፡ “ሓድነትና ዋሕስ ሓርነትና “  ኣብ ትሕቲ ዝብል ቴማ ነቲ ንሓድነት ኤርትራውያን ዝሰርሕን ዝዝይምን ዘሎ ህቡብ ድምጻዊ የውሃንስ ትካቦ ብምዕዳም ዓቢ ናይ ድሮ ሓድሽ ዓመት ምሸት ኣዳልዩ ኣሎ። እዚ ዓቢ ናይ ምንቕቓሕን ምዝንጋዕን ምሸት ብኹሎም እቶም ኣብ በይ ኤርያን ከባቢኡን ዝርከቡ ደለይቲ ለውጢ ኤትራውያን ጥራይ ዘይ ኮነስ፡  ካብ ሎስ ኣንጀለስ፡ ሳንድያጎ፡ ላስቨጋስ፡ ስያትልን  ዝመጹ ኤርትራውያን ክሳተፍዎ እዮም።

በዚ ኣጋጣሚ ኩሉ ንሓድነትን ስጡም ቃልስን ኤርትራውያን ደለይቲ ፍትሒ ዝቃለስ ኤርትራዊ ኣብ ድሮ ሓድሽ ዓመት 2016 ኣብዚ ትርጉም ሓዘል ናይ ምዝንጋዕ ምሸት ክሳተፍ  ብልብን ኣክብሮትን ንዕድም።  ብተሳትፎ ኩልና ዝረጋገጽ ሓርነት ቃጻልነቱ ዝተረገገጸ እዩ እሞ፡ ሓርነትና ንምውሓስ ሎሚ ሓድነትና ነረጋግጽ።
 
“ሓድነትና ዋሕስ ሓረንትና ‘ዩ”
በይ ኤርያ ኤርትራውያን ንዲሞክራስያዊ ለውጢ