እቲ ጸገም ኣየናይ’ዩ፡ ኣተረጓጉማ ወይ ኣበዓዕላ

2016-05-20 12:35:21 Written by  ቤት ጽሕፈት ዜና ሰደህኤ Published in EPDP Editorial Read 3276 times

ሓደ ተረኽቦ መዓልቱ ሓልዩ ክመጽእ እንከሎ እዋናዊ መዛረቢ ክኸውን ዝተለምደ እዩ። በዚ መሰረት እዩ ዝመስል መበል 25 ዓመት ዝኽሪ ናጽነት ኤርትራ እንዳቐረበ ክመጽእ እንከሎ ብዛዕባኡ ዝካየድ ክተዓት ማዕሪኡ ይረስን ኣሎ። እቲ ክሳብ ክንድኡ ክባላሕ ብዘይነበሮ ፍልልያት ዝተሰነየ ኣብ መንጎ ዝተፈላለዩ ኣካላት ዝካየድ ክተዓት ኮይኑ፡ መልከዓቱ’ውን ዝተፈላለየ እዩ። እቲ ኣብ መንጎ ሰዓብቲ ገዛኢ ጉጅለ ህግደፍን ደለይቲ ለውጥን ደሞክራስን ዘሎ መሰረታዊ ፍልልይ በሊሕ ክትዕ ተስዓበ፡ ንማንም ከም ዘይድንጽዎን ከም ዘየገርሞን ርዱእ እዩ። እቲ ምውጣጥ ኣብ መንጎ እቶም ኣንጻር ህግደፍ ዝተሰለፉ ናይ ለውጢ ሓይልታት ክኸውን እንከሎ ግና ከስደምም ባህርያዊ እዩ።

እቲ ኩሉ ንኡሳት ኣቀራርባታት ገዲፍካ እቲ ጐሊሑ ዝረአ ፍልልይ፡ ኣብ ኣተረጓጉማ ናጽነትን ኣብዓዕላ ኢዮበልዮኡን ክጠቓለል ከም ዝኽእል ተዓዚብና ኣለና። ሃንደፍ ኢልካ ክትሓስቦ እንከለኻ “ ኣብ ሕድሕድ’ቶም ኣንጻር ህግደፍ ዝቃለሱ ዘለዉ ኣካላት ደኣ ፍልልይ ኣብ ኣተረጓጉማ ናጽነት እንታይ ኣምጸኦ?” ዘየብል ኣይኮነን። ግና ፍልልይ ተንጸባሪቑ። ገለ ወገናት ኣብ ድሕሪ ናጽነት ኤርትራ ራህዋን ቅሳነትን ስለ ዘየለን፡ በዚ ብኩራት ራህዋ ህዝብና ኣብ ዝተፈላልየ ዝመልክዑ መከራ ወዲቑ ስለ ዘሎ ነዚ መሬታዊ ናጽነት፡ ናጽነት ኣይንብሎን ኢና ይብሉ። ነቶም ምእንቲ’ዚ ብራህዋ ዘይተሰነየ ናጽነት ከምጽኡ ዝሓለፉ ኤርትራውያን ዝወሃቦም ክብሪ ክህሉ የብሉን ብዝብል’ውን የሰንይዎ። ብኣንጻሩ፡ ናጽነት ብመሪርን ነዊሕን ቃልሲ፡ ብዋጋ ክቡር መስዋእቲ ኤርትራውያን ዝተመዝገበ ስለ ዝኾነ፡ ከም ብሌን ዓይንና ክንዕቅቦ ዝግበናን ነዚ ነካይዶ ዘለና ሓርነታዊ ቃልሲ ድልዱል መሰረቱን እዩ። ነቶም ነዚ ክግህዱ ዝተሰውኡ ጀጋኑን፡ ባሕሪ ቃልሲ ኮይኑ ኩሉ ዝገበረ ህዝቢ ኤርትራን ከኣ ክብርን ሞጎስን ይግበኦም እምበር ዝብል ረዚን ርኢቶ የንጸባርቑ።

ከም ነጸብራቕ ናይዚ ፍልልይ ድማ 24 ጉንበት መዓልቲ ናጽነት ኤርትራ ናይ ሓዘን እምበር ናይ ሓርበኝነት መግለጺ መዓልቲ ስለ ዘይኮነት ክንዝክራ ኣይግበኣናን ዝብል በቲ ሓደ ወገን ኣሎ። የለን እዛ ዕለት እዚኣ ታሪኻዊትን ነቲ ነዊሕ ክጐዓዝ ዝጸነሐ ናይ ወለዶታት ቃልስና ምእንቲ ናጽነትን ሓርነትን ሓደ ኣገዳሲ ምዕራፍ ዓጽያ ናብዚ ንቃለሰሉ ዘለና ምዕራፍ ቃልሲ ምእንቲ ሓርነት ዘሰጋገረት ስለ ዝኾነት ብግቡእ ክትዝከር ይግበኣ ዝብሉ ርኢቶታት ከኣ በቲ ካልእ ወገን ፊትንፊት ተፋጢጦም ኣለዉ። ካልኦት ከም ባንዴራ ዝኣመሰሉ ምስ ህልውና ናጻ ኤርትራ ዝተሓሓዙ ዛዕባታት እውን የዛርቡ እዮም።

 

ሰልፊ ደሞክራሲ ህዝቢ ኤርትራ፡ ናጽነት ውጽኢት ሓደ ውድብ ወይ ጉጅለ ናይ ዝኸፈሎ ዋጋ ዘይኮነት፡ ፍረ ቃልሲ መላእ ህዝቢ ኤርትራን ውድባቱን ምዃና ስለ ዝኣምን፡ ነዚ እምነቱ ብግቡእ ንምጽብራቕ፡ ኣብ መቕድም ፖለቲካዊ መደብ ዕዮኡ’ኳ፡ “….. በቲ ኣብ ዘይንቕነቕ ርእሰ-ተኣማንነቱ፡ ተጻዋርነቱ፡ ሓቅነቱ፡ ሓድነቱ፡ ተባላሓትነቱን መሃዝነቱን ዝተመርኰሰ፡ ብተጋድሎ ሓርነት ኤርትራ (ተሓኤ) ብ1961 ኣንጻር መግዛእታዊ ሓይሊ ኢትዮጵያ፡ ዝተባርዐ ነዊሕ ሓርበኛዊ ዕጥቃዊ ቃልሲ፡ ድሕሪ ሰላሳ ዓመታት ብ24 ግንቦት 1991 ብወሳኒ ተራ ህዝባዊ ግንባር ሓርነት ኤርትራ(ህግሓኤ) ሃገራዊ ናጽነት ጋህዲ ኰነ።” ብዝብል ኣስፊርዎ ኣሎ።

 

ሰደህኤ ነዚ ሓሳብ’ዚ ኣብ መደብ ዕዮኡ ከስፍር እንከሎ፡ ኣብ ኤርትራ ልኡላውነት ሃገር እምበር ልኡላውነት ህዝቢ ጌና ከም ዘይተረጋገጸ ኣይዝንግዕን። ከምኡ ስለ ዝኾነ ድማ ኩሉ መሰላት ህዝብና ክሳብ ዝረጋገጽ ክቃለስ ወትሩ ድልዊ እዩ። ልኡላውነት ሃገርን ህዝብን ክልቲኦም መሰረታውያንን ፈላሊኻ ዘይረኣዩን ምዃኖም ይኣምን። ናጽነት ብዘይሓርነት፡ ሓርነት ብዘይናጽነት ትርጉም ዘለዎ ህልውና ከም ዘየብሎም’ውን እምነቱ እዩ። ምእንቲ ኣዚ እምበኣር ነቲ ክሳብ ሕጂ ተረጋጊጹ ክንሱ ብጉጅለ ህግደፍ ዝጥለም ዘሎ ናጽነት ዓቂብካ፡ ነቲ ዝጐደለ ሓርነት ንምስዓብ ምቅላስ እቲ ቅኑዕ መንገዲ ገይሩ ይወስድ። ምእንቲ ኣዚ “ሓደ በለለይ” ኢሉ ንናጽነት ይዕቅብን ንዝኽራ የኽብርን። ኣብቲ ኣገባብ ኣከባብራን ነቲ ኣከባብራ ዝህቦ ትርጉምን ብመሰረቱ ካብ ኣተሓሕዛ ጉጅለ ህግደፍ ከም ዝፍለ ከኣ ርዱእ እዩ። ከም ሰደህኤ ናጽነት ንገሌና ፍረ ቃልስና ንገሌና ድማ ፍረ ቃልሲ ኣያታትና እዩ።

 

ንሕና ነዚ ዝኽሪ’ዚ ከምቲ ጉጅለ ህግደፍ ዝገብሮ፡ ቁምነገር ብዝደፍን ናይ ምድንጋር “ጽቡቕ ኣለና” ብምቅላሕ ብዳንኬራን ጓይላን ኣይኮናን እንዝክሮ። ንሕና ብኸመይ ነቲ ተሪፉና ዘሎ ቃልሲ ከም እንምልእ ብዝእምትን ንቕድሚት ብዘማዕዱን ኣገባብ ኢና እንዝክሮ። እዚ ዝኽሪዚ መላእ ህዝቢ ኤርትራን ሰማእታቱን ንዝኸፍልዎ መስዋእቲ ክቡር ዋጋ እንህበሉን፡ ብሰንኪ ህግደፍ ኣብ ዝተፈላለዩ ኩነታት ዝሳቐዩ ዘለዉ ኤርትራውያን እንዝክረሉን፡ ሎሚ’ውን ከምቲ ዝቐደመ ኣንጻር መላኺ ጉጅለ ህግደፍ ቃልና እነሕድሰሉ ኣጋጣሚ ጌና ኢና እንወስዶ። ናይዚ ኣከባብራ ቀንዲ መልእኽትና ክጠቓለል እንከሎ እምበኣር ናጽነትና ከምቲ ጉጅለ ህግደፍ ክብሎ ዝደሊ፡ ንሱ “ተደለየ ዝህቦ ተዘይደለየ ድማ ዝኽልክሎ” ዘይኮነስ፡ ናይ መላእ ህዝቢ ኤርትራ ዋጋ መስዋእቲ ምዃኑ ንምንጋሩ እዩ። ነቲ ጉጅለ ዝረኸብካ መሲሉካ መዓልቲ ናጽነት ዘይምዝካር ግና ከቶ ግዳይ ህግደፍ ምዃን ምዃኑ ነስተብህል

Last modified on Friday, 20 May 2016 14:40