ኣብ ታሪኽ ኤርትራ እንተረኤና ካብ ፖሊካዊ ቃልሲ ክሳብ ብረታዊ ቃልሲ ቀጺሉ ድማ ድሕሪ ናጽነት ኤርትራ እቲ ቀንዲ ምንጪ ክሳብ ሕጂ እውን ክፍታሕ ዘይተኻእለ ፖሊቲካዊ ምሕደራን ሃይማኖትን ፈሊኻ ዘይምርኣይ ኢዩ፣ምንጪ ናይ ግርጭት ኣብ ኤርትራ ኣብ ሃገራዊ መንነት ወይ ድማ ካብ ስነ-ሓሳብ ዝመንጨወ ዘይኮነስ ኣብ ትሕቲ ሃገራዊ መንነታት ከም ሃይማኖት፣ ዓለት ቋንቋ፣ ኣውራጃ ኢዩ፣ እቲ ቀንዲ መሃንድስ ናይዚ መንነታት እቲ ኣብ ኤርትራ ነጊሱ ዘሎ ስርዓት ውልቀ መላኺ ኢሳያስ ኢዩ፡ ስዒቡ ድማ እቲ ሎሚ ኣብ ደንበ ተቃውሞ ዝርኤ ዘሎ ኣሰዃኹዓ ኣብ ፖሊቲካዊ ይኹን በርገሳዊ ኣብ ሃገራዊ መንነት ዘይኮነ ኣብ ሃይማኖታውን፣ብሄራውን፣ ኣውራጃዉን ዝተወደበ ኢዩ፡፤ ልክዕ ኢዩ ኣብ ውሽጢ ኤርትራዊ መንነት ወይ ሃገረ ኤርትራ ብዙሓት ሕዝብታትን ቋንቋታትን ሃይማኖትን ከምዘሎ ፍሉጥ ኢዩ፣ እቲ ተሳኢኑ ዘሎ ጥበብን ኣፍልጦን ነዚ መንንታት እዚ ከመይ ተመሓድሮ እዪ። እቶም ፖሊቲካ ፈሊጣውያን ኤርትራ ነዚ መንንታት እዚ እናመዝመዙ ሕዝቢ ኣብ ሓድሕዱ እምነት ከይሕድርን ብሓንሳብ ብሰላም ዝነብረሉ ክንዲ ዘናዲ ኣብ ናይ ሓድሕድ ጽልእን ባእስን ይኣቱ እታ ሃገር ከም ሃገር ዘይኮነትስ ናይ ውግእ ጎይቶት/ War-Lords/ ዝዕንድሩላ ቦታ ኮይና ትተርፍ፣ እዚ ከይከውን እዩ ድማ ኣህጉራዊ ማሕበረ ሰብ ኣብዚ ግዜዚ ኣብ ከም ኤርትራ ዝኣመሰላ ሃገራት ዘገድሶም ደሞክራስያዊ ስርዓት ንምእትታው ዘይኮነስ ብዝኾነ ኣገባብ ኣብታ ሃገር ጸጥታን ሰላምን/ stability and security/ ንኦም ብዘገልግል ከመሓድር ዝኽእል ሓይሊ ዝመርጹ።

ሎሚ ኣብዚ መበል 21 ዘመን ኣብ ኤርትራዊ ማሕበራዊ መራኸቢ ብዙሓን ገኒኑ ዝርከብ ናይ ቃላት ውግእ ዝሕፍርን ዘሕንኽን ኣብ ሓቅነትን ወድዕነትን ኤርትራን ሕዝባን ኣተሓሳስባን እምነታትን ዘየሎ ካብ ጸቢብ ኣተሓሳስባ ውልቀ ሰባት ዝምንጩ ሓደገኛን ሰራምን ጸረ-ሰላምን ደምክራስያን ኣብ ኤርትራ ኢዩ። ብወገን ዓለም- ለኸ እንተረኤና እውን ፣ ሕሉፍ - ኢስላማውያንን ፣ሕሉፍ የማናውያን ሃገራውያን ኣብ ምዕራባውያን ሃገራት ንርኢ ኣሎና ክሊቲኦም ድማ ዕላማኦም ሓደ ኢዩ፡፤

ሕሉፍ ኢስላማውያን ይኹኑ  ሕሉፍ-ሃገራውያን ክልቲኦም ተጻረርቲ ክነሶም ናይ ሓባር ዕላማኦም ግን ኣንጻር ደሞክራስያን ኣብ ዓለም ደሞክራስያዊ ስርዓታት ንምፍራስን፣ ብኣንጻሩ ምልክነት ንምንጋስ ኢዩ፡፤ ዕላማ ናይ ኤርትራ ኣግኣዝያውያንን ናይ ኤርትራ ኢስላማውያንን እውን ዕላማኦም ንመስርሕ ደሞክራስያን ኣብ ኤርትራ ሰላምን ደሞክራስያን ከይህሉ ንምልክነት ናይ ሓደ- ውልቀ ኣብ ሃይማኖትን ዓለታትን ዝተመስረት ምሕደራ ኣብ ኤርትራ ንኽህሉ ዝንቀሳቀሱ ባእታት ኢዮም።

ሎሚ እቶም የማናውያን ሃገራውያን ኣብ ምዕራባውያን ሃገራት ዝኽተልዎ ስትራተጂ እቲ ኩሉ ፖሊቲካውን ቁጠባውን ማሕበራውን ጸገማት ዝመጽእ ዘሎ በዞም ስደተኛታትን ኢስላምን  ኢዩ ኢሎም ኣንጻሮም ይንቀሳቀሱ። ብወገን በቶም ኣግኣዝያንን ሕሉፍ- ኢስላማውያን ኤርትራውያን ዝካየድ ዘሎ ምንቅቃሳት እውን፣ ኣብ ኤርትራ ዘሎ ፖሊቲካዊ ፣ቁጠባዊ ፣ ማሕበራዊ ጸገማት ብሰንኪ ምሕደራ ክርስትያን ኢዩ ይብሉ፣ እቶም  ኣግኣዝያን ድማ  ናይ ኤርትራ ጸገም ኢስላማውያን ኢዮም፣ ካብ ኤርትራ ክወጹ ኣለዎም ይብሉ፣ ክልቲኦም ኣግኣዝያውያንን ይኹኑ ኢስላማውያን ኣብ ኤርትራ ዕልመናዊ መንግስቲ ዘይኮነ ናይ ሃይምኖት መንግስቲ ክተኽሉ ኢዩ ናይ ርሑቅ ዕላማኦም።ኣብ ታሪኽ ከምዝረኤናዮ እዚ ክልተ እምነታት ኣብ ምዕባለ ሕብረተ-ሰብ ዓለም ኣሉታውን ኣዋንታውን ግደ ነርዎን ኣለዎን፣ ኣብ ታሪኽ ክርስትናዊ ኣተሓሳስባ ዘለወን ሃገራት በብግዜኡ ብዙሕ ውግኣትን ግርጭታትን ተኻዪዱ ኢዩ፣ ንኣብነት እቲ ካብ 1618-1648 ኣብ መንጎ ካቶሊካውያንን፣ ፕሮተስታንትን ዝተኻየደ ክሳብ ሕጂ እውን ኣሰሩ ዝርኤ ዘሎ ሓደ ምስክር ሃይሞኖት ክሳብ ክንደይ ኣብ ፖሊቲካዊ ሕይወት ኣትዩ ከምዝነበረን፣ እዚ ድማ ድሕሪ ብዙሕ ቃልስን ጻዕርታትን ሃይምኖት ካብ መንግስትን ፖሊቲካን ክፍለ ከምዘለዎ፣ሎሚ ዝበዝሓ ሃገራት ዓለም፣ዝመሓደሩሉ ኣገባብ ምሕደራ ኢዩ።

 ኣብተን ዓረባውን ኢስላማውን ሃገራት ግን ገና ኣብዚ ደረጃ እዚ ሰለዘይተበጽሔ ኣብዚ መበል 21 ዘመን ኣብ ውግእ ሓድሕድ- ሱኒ ኣንጻር ሺዓ ይካየድ ኣሎ፣ ሕሉፍ ሓሊፉ ድማ ገለ ሓይልታት ኣብቲ ናይ መበል 16 ክፍለ ዘመን ናይ ካሊፋታት ምሕደራ ክምለሱ ዝደልዩ ሓይልታት ኢስልምና ሎሚ ንመላእ ዓለም ኣብ ኢስላምና ንምቅያር ዝቃለሱ ( ISIL-ISIS)ኣለዉ፡፤ ገለ ፈለጣትን መራሕትን ሃይማኖት ኢስልምናን ሃገራትን ደሞክራስያን ዕልማናዊ መንግስታት ኣንጻር ሃይሞኖት ኢስልምናን ኣተሓሳስባን ሰለዝኾና፣ ከምዚ ዓይነት ምሕደራ በቶም ኣብ ኢስልምና ዝኣምኑ ሕዝብታት ቅቡል ጥራሕ ዘይኮነ ሓራም- ገበን እውን ኢዩ ዝብሉ ኣለዉ። ዕልመናዊ መንግስቲ ማለት ግን ኣንጻር እምነታት ዘይኮነስ፣ እምነትን፣ መንግስትን ዝፈሊ፣ ኣብ ናጽነት ናይ እምነታት ኢድ ዘየኤቱ ስርዓታት ምሕደራ ዝበዝሓ ሃገራት ዓለምና ዝኽተልኦ ዕልመናዊ  ምሕደራ ኢዩ።

ሎሚ ኣብዚ መበል 21 ዘመን ኣብ ዝሓላፈ ዘመን ናይ ካሊፋታት ክንምለስ ኣሎና ደሞክራስያን ሰብኣዊ መሰላትን ብሕጊ ኢስልምና ክኸውን ኣለዎ፣ ሃይማኖትን መንግስትን ክፍለ የብሉን ዝብሉ ኣብ ደንበ ተቃውሞ ኤርትራ ፖሊቲካውን በርገሳውን ማሕበራት ኣለዉ። ኣብ ዝበዝሓ ሃገራት ዓረብን ኣብ ኢስልምና ዝኣምና ሃገራትን መሰል ውልቀ-ሰብ፣ ይኹን ሰብኣዊ መስላት ብሓፈሻ ቅቡል ኣይኮነን፣ እሞ እንታይ ኢዩ እቲ ጸገም ሃይምኖት ኢስልምናዶ ደሞክራስያዊ ፍልስፍና፣ ኣብ ኤርትራኸ ብኸምዚ ኣረዳድኣ ኣብ መንጎ መንግስትን ሃይማኖትን ኣይፍለን ዝብልን ክፍለ ኣለዎ ዝብልን ብሓንሳብ ከናብር ይኽእልዶ፣ እስከ ምሁራትና ካብ ክልቲኡ ሸነኽ ብዛዕባዚ ኣረኣእያ አጽንዑልና

ኣብ ታሪኽ ከምዝረኤናዮ እዚ ክልተ እምነታት ኣብ ምዕባለ ሕብረተ-ሰብ ዓለም ኣሉታውን ኣዋንታውን ግደ ነርዎን ኣለዎን፣ ኣብ ታሪኽ ክርስትናዊ ኣተሓሳስባ ዘለወን ሃገራት በብግዜኡ ብዙሕ ውግኣትን ግርጭታትን ተኻዪዱ ኢዩ፣ ንኣብነት እቲ ካብ 1618-1648 ኣብ መንጎ ካቶሊካውያንን፣ ፕሮተስታንትን ዝተኻየደ ክሳብ ሕጂ እውን ኣሰሩ ዝርኤ ዘሎ ሓደ ምስክር ሃይሞኖት ክሳብ ክንደይ ኣብ ፖሊቲካዊ ሕይወት ኣትዩ ከምዝነበረን፣ እዚ ድማ ድሕሪ ብዙሕ ቃልስን ጻዕርታትን ሃይምኖት ካብ መንግስትን ፖሊቲካን ክፍለ ከምዘለዎ፣ሎሚ ዝበዝሓ ሃገራት ዓለም፣ዝመሓደሩሉ ኣገባብ ምሕደራ ኢዩ፣ ኣብተን ዓረባውን ኢስላማውን ሃገራት ግን ገና ኣብዚ ደርጃ እዚ ሰለዘይተበጽሔ ኣብዚ መበል 21 ዘመን ኣብ ውግእ ሓድሕድ- ሱኒ ኣንጻር ሺዓ ይካየድ ኣሎ፣ ሕሉፍ ሓሊፉ ድማ ገለ ሓይልታት ኣብቲ ናይ መበል 16 ክፍለ ዘመን ናይ ካሊፋታት ምሕደራ ክምለሱ ዝደልዩ ሓይልታት ኢስልምና ሎሚ ንመላእ ዓለም ኣብ ኢስላምና ንምቅያር ዝቃለሱ ( ISIL-ISIS)ኣለዉ፡፤ ገለ ፈለጣትን መራሕትን ሃይማኖት ኢስልምናን ሃገራትን ደሞክራስያን ዕልማናዊ መንግስታት ኣንጻር ሃይሞኖት ኢስልምናን ኣተሓሳስባን ሰለዝኾና፣ ከምዚ ዓይነት ምሕደራ በቶም ኣብ ኢስልምና ዝኣምኑ ሕዝብታት ቅቡል ጥራሕ ዘይኮነ ሓራም- ገበን እውን ኢዩ ዝብሉ ኣለዉ። ዕልመናዊ መንግስቲ ማለት ግን ኣንጻር እምነታት ዘይኮነስ፣ እምነትን፣ መንግስትን ዝፈሊ፣ ኣብ ናጽነት ናይ እምነታት ኢድ ዘየኤቱ ስርዓታት ምሕደራ ዝበዝሓ ሃገራት ዓለምና ዝኽተልኦ ዓለማዊ ምሕደራ ኢዩ።

ሎሚ ኣብዚ መበል 21 ዘመን ኣብ ዝሓላፈ ዘመን ናይ ካሊፋታት ክንምለስ ኣሎና ደሞክራስያን ሰብኣዊ መሰላትን ብሕጊ ኢስልምና ክኸውን ኣለዎ፣ ሃይማኖትን መንግስትን ክፍለ የብሉን ዝብሉ ኣብ ደንበ ተቃውሞ ኤርትራ ፖሊቲካውን በርገሳውን ማሕበራት ኣለዉ። ኣብ ዝበዝሓ ሃገራት ዓረብን ኣብ ኢስልምና ዝኣምና ሃገራትን መሰል ውልቀ-ሰብ፣ ይኹን ሰብኣዊ መስላት ብሓፈሻ ቅቡል ኣይኮነን፣ እሞ እንታይ ኢዩ እቲ ጸገም ሃይምኖት ኢስልምናዶ ክርስትና ደሞክራስያዊ ፍልስፍና፣ ኣብ ኤርትራኸ ብኸምዚ ኣረዳድኣ ኣብ መንጎ መንግስትን ሃይማኖትን ኣይፍለን ዝብል ኣምር ኣብተን ፖሊቲካዊ ውድባት ኣብ ደንበ ተቃውሞ ደለይቲ ደሞክራስያዊ ለውጢ ይርከቡ።

ትፈልጥዎዶ.............ቅድሚ ሃይማኖት፣ ቋንቋ ብሄር ሰብኣውነት ኢዩ ዝቅድም፣ ንሕና ደቂ /ሰባት ክሳብ ክንደይ ኢና ምቆምያታት እምነታት ሰብኣዊ መሰላትን፣ ኣህጉራዊ ውዕል ብዛዕባ ቁጠባውን ማሕበራውን ባህላውን መሰላት፣ ከምኡ ድማ ኣህጉራዊ ውዕል ብዛዕባ ሲቪላውን ፖሊቲካውን መሰላት ማእከል ገርና ምስ ሰብ ንነበር ኢዩ እቲ ስኢናዮ ዘሎና ኣፍልጦን፣

ኩልና ደቂ ሰባት ሓራ ኮና ማዕረ ክብርን መሰልን ዘሎና ኢና፣ ኣእምሮን ሕልናን ዝተዓደልና ብምዃና ድማ ኣብ ነንሕድሕድና ብመንፈሳዊ ሕውነት ክንቀራረብን ክንነበርን ንኸእለሉ ጥበብ ፍልጠትን ንድለ እምበር ኣነባ ካብዚ ብሔር ............ኣነባ ቋንቋይ ካብ ናትካ ይስልጥን................ ናተይ ሃይማኖት ኢዩ ንመንግስተ ሰማይ ዘእቱ........................እዚ ኹሉ ጃህራ ኣብዛ እነነብረላ ፕላነት ዓለምና ምትፍናንን ጽልእን እንተዘኮይኑ ምንም ረብሓ የብሉን፣  ናይ ወዲ ሰብ እምነት ብሕታዊ ኮይኑ፣ ኩልና ብሰላም ክንነብር ስራሕናን ምስ ሰብ ዝምድናናን ሰብኣውነት/ Humanity ማእከል ዝገብረ ክኸውን ኣለዎ እምበር ኣብ ንሕናን ......ንሳቶምን ኣብ ዝብል መርገጽ ክህሉ የብሉን።

ዝተወከስክዎም ጽሑፋት

1. Universal Human Rights/ UN Dokuments

2. International Conventions

3. EGDI, Learning in Development  Co-operation

4. EGDI, Dialogue in Pursuit of Development

5. Terry Eagleton, The Idea of Culture

6. Thomas Hammerberg, Social Rättvisa

ከምቲ ልሙድ ዕዙዝ ዝኾነ ሰላምታይ ብድሕሪ ምቕራብ፡-

 

ብምክንያት ምጅማር ጾም ሮሞዳን ኣብ ውሽጥን ደገን ንዝርከብ መላእ ህዝቢ ኤርትራ ብፍላይ ድማ ንኣመንቲ መንፈሳዊ ሃይማኖት እስልምና ርሑስ ጾም ሮሞዳን ይግበረልኩም ይግበረልና ዝብል ክቡር መልእኽተይ የሕልፍ። ኣብ ሮሞዳን መላእ ኣመንቲ እስልምና፡ ወርሒ ምሉእ ነብሶም ካብ ዕለታዊ መግብን ፈሳስን ብምቕጻዕ፡ ናብ ልዑል ፈጣሪኦም ዝቐራረብሉ፡ ሕድሕድ ፍቕሪ፡ ሓልዮት፡ ስኒት፡ ምትሕልላይን ሰናይ ምትሕግጋዝን ዘንጸባርቕሉ፡ ቅድሚኡ ንዝተፈጸመ ጌጋታትን በደላትን ሕድገታት ዝልዋወጥሉ ክቡር ወርሒ’ዩ።

 

ካብዚ ክቡር መንፈሳውን ሃይማኖታውን እምነት’ዚ ብምብጋስ ድማ፡- በዚ ክቡር ኣጋጣሚ’ዚ ኣብዚ እዋን’ዚ ካብትን ካብዝን ብገለ ሓላፍነት ዘይስምዖም ኣካላት ኣብ መንጎ ክልቲኡ ዓበይቲ መንፈሳዊ ሃይማኖታት ክርስትናን እስልምናን ዝጸንሐ ንቡርን ድልዱልን ምክብባር፡ ምትእምማንን ምትሕልላይን ንምዝራግ፡ ብስውር ጥራይ ዘይኮነስ፡ ብግሉጽ ኣብ ማሕበራዊ መራኸቢታትን ኣብ ዝተፈላለየ ኣጋጣሚታትን እከይ ሽርሕታትን ተንኮላትን ይስራሕ ምህላዉ ካብ ማንም ሕቡእ ጉዳይ ኣይኮነን። ኩሉ’ቲ ዝእለም እከይ ሸርሕታትን ተንኮላትን ዕላምኡ ብንቕሓት ብድሕሪ ምግንዛብ ብሓባራዊ ሓላፍነት ክምኸት ከም ዝግባእ እናሓበርኩ፡ ጾም ሮሞዳን 2017 ንመላእ ህዝቢ ኤርትራን እመንቲ ሃይማኖት እስልምናን ወርሒ ሰላምን ቅሳነትን ሓድነትን ክኸውን ሰናይ ትምኒተይ ይገልጽ።

 

ምስ ሰናይ ትምኒትን

 

ነፀረኣብ ኣስመላሽ

   

A well-attended get together of Eritreans and their Swedish friends held two consecutive events in Gothenburg, Sweden, on 25 May 2017 at which the situation in Eritrea was very well highlighted. The first event was a seminar organized by the Eritrea-Sweden Solidarity Association at which invited speakers transmitted timely and useful information to an audience mainly made up of young Eritreans. The seminar was followed by a congress of the association named 'Eritrea in Our Hearts'.

Sweden 5 DSC 0082

The seminar was opened by welcoming statement of of Mr. Tomas Magnusson, president of the Eritea-Sweden Solidarity Assocation, who invited to the podium the Mayor of Gothenburg, Mr. Yonas Attenius, responsible for residential homes and employment opportunities in the city.

Microsoft Word Eritrea Sweden Solidarity Association Holds Seminar and Congress doc 2

 

The Mayor explained the problems faced in his area of responsibility and how solutions are worked out.

Microsoft Word Eritrea Sweden Solidarity Association Holds Seminar and Congress doc 3

The other guest speaker was Mr. Rezene Tesfazion, Executive Committee member in charge of finance in the Eritrean People's Democratic Party (EPDP), who spoke in great detail about the ups and downs in history of the Eritrean people and their current situation at home and abroad.

Following Mr. Rezene Tesfazion's presentation, Mr. Ulf Bosrom, City Police Officer in charge of integration work, spoke the role of police in a democratic system of governance which gives high value to everyone's commitment to the rule of law.

The final speaker at the seminar was Mr. Viktor Stenlov of the Swedish Social Democratic Party who spoke on the role of youth in social change. In concluding his inspiring speech by informing his audience of young Eritreans, he said that they join their Swedish friends of same age in making a difference in the Swedish society.

Sweden 1 DSC 0052

The seminar was followed by the annual congress of Eritrea in Our Hearts whose outgoing committee members presented reports of past activities. The congress finally elected a 15-person committee to lead the young association for one year.

ኣብዛ ዘለናያ ሃገር ብ1974 መጺአ: ምኽንያት ንትምህርቲ ስነ ሃይማኖት። ውሽጣዊ ደፋኢ ረቛሒ ከኣ ፖለቲካዊ። ካብ መወዳእታ 1971 ክሳብ 1973 ብሕቡእ ኣብ ፖለቲካዊ ምንቅስቓስ ንነጻነት ኤርትራ ይሳተፍ ዝለዝነበርኩ። መንቀሊየይ ከምኡ ስለ ዝነበረ ድማ ኣብ ሓፋሽ ውድባት ህግሓኤ ከም ተማሃራይን ሰራሕተኛን ኣብ ሽወደን ተወዲበ። ኣብ 1990 ብወግዒ ደስኩልኩም ክሳብ ንብሃል ካብ 1975 ዓም ከም ተራ ኣባልን ብሓላፍነትን ተሳቲፈ። ኣብ ፖለቲካ ሃገር ሽወደን ድማ ካብ 1986 ዓም ኣብ ሰልፊ ሶሻል ደሞክራሲ ተወዲበ ኣብ ኮሙናውን ኣውራጃውን ከም ተራ ኣባልን ኣብ መሪሒነትን ተዋሲአ። ካብ 2002 ክሳብ 2006 ኣባል ባይቶ ሸወደን ብምዃን ካብቶም ቀዳሞት ኣፍሪቃውያን ኮይነ ኣገልጊለ።

ሕጂ ኣብዚ ሃገር ሽወደን ን43 ዓመት ተቐሚጠ ኣለኹ። ድሕሪ ነጻነት ካብ 1992 ክሳብ 2001 ንኤርትራ ሓሙሸት ግዜ ተማላሊሰ። ድሕሪ ጠለብቲ ቁዋም በቲ ዕሉል ውልቀ መላኺ ምጥፋእ ግን ኣይከድኩን። ብድሕርዚ ኸኣ ኣብ ተቛውሞ ደምበ ኣብ ሰልፊ ደሞክራሲ ህዝቢ ኤርትራ ተወዲበ ንደምክራስን ፍትሕን ኣብ ኤርትራ እሳተፍ ኣለኹ።

ኩሉና ከም እንፈልጦ ኤርትራ ድሕሪ ብስርዓት ህግደፍ ምግዝኣ ብኹሉ ወገና ማሲናያ። ኣብቲ ፖለቲካዊ ቅርጻ ብበይነኣዊ ግበታ ትምራሕ ኣላ። ኣብቲ ቁጠባዊ ሃለዋት እቲ መሰረታዊ ንህዝቢ ዘድሊ ሕጽረት መግብን ማይን ኣሎ። ብግቡእ ስራሕ ረኺብካ ንቡር ደሞዝ ብመዐቀኒ ሳልሳይ ዓለም የለን። ትምህርቲ ዝተፋላለየ ኮሎጃት ኣሎ ይብሃለናዩ ብህግደፍ። ኣብ ኮሎጃት ወዲኦም ዝተባህሉ ድማ ከናብሮም ብዝኽእል ደሞዝ ሰሪሖም ክነብሩን ሂወቶም ክመርሑን እይንርእን። ብኻልእ እንኮ ብሓገዝ ቫቲካን ዝተርሰርሐት ዩነቨርስቲ ኣስመራ ብህግደፍ ተዓጽያ፣ ቀንዲ ስራሕ መንግስቲ ህግደፍ መንእሰይ ናብ ሳዋ ወሲድካ ወተሃደራዊ ታዕሊም ምምሃርን ኣብኡ ከም ዝኽወል ምግባርዩ። እዚውን ከም መበገሲኡስ ምዂንዩዩ ነይሩ። ንዓመትን ሾመንተ ወርሕን። እንተኾነ ብ1994 ቀዳማይ ዙርያ ምስ ተገብረ ብኡ ገይሮም መንእስያት ኤርትራ ብዘይ እፎይታን ደሞዝን ከም ዝባኹኑ ይግበር ኣሎ።እዚ ንሃገርውን ምርማስዩ። ሓይሊ መንእሰይ ዘይዋሳኣላ ሃገር ዕንወታ ሽዑዩ ዝግሃድ። ኣብቲ ፖለቲካዊ መዳይ ከም ዝሰማዕናዮ ሓደ ውድብዩ ዘሎ። ክትእከብ: ክትውደብ: ርእይቶኻ ብዛዕባ ፖለቲካዊ ኩነታት ሃገርን ህዝብን ክትዛረብ ኣይፍቀድን። ምስ ዓለም ዘሎ ዲፖሎማስያዊ ርክባት ምህሙንዩ። በቲ ”ሓደ ልቢ ሓደ ህዝቢ” ዝብል ስነሓሳብን: ነብስና ንኽእል ኢና ብዝብል ናይ ትዕቢት ፖለቲካን: ኤርትራ ካብ ዓለም ንጽልትያ። ብሰሜን ክሮያ እያ እትምሰል። ፍልልየን ስሜን ኮሮያ ብወተሃደራውን ንክልዮራዊ መሳርያ ውግእን ንኤርትራ ትዓብያ ምዃናዩ። ኤርትራ ዓቕሚ ህዝባ ብግቡእ ሒዝካን ንቖልዑን መንእሰያትን ብግቡእ ትምህርትን ጽፉፍ ባህሊ ሃኒጽካን ንህዝቢ ብሰላምን ደሞክርያስያዊ ክብርን ሒዝካ ምዕባለ ክምጽእ ምኸኣለ። እዚ ግን ካብ ህገደፋውያን ከምዘይርክብ  ናይ 26 ዓመት ጽዩፍ ምምሕዳሮም ኣርእዩናዩ።

እዚ ዘስዓቦ ህዝቢ ብፍላይ መንእስያት ኤርትራ ሃገር ሽኦል ኮይናቶም ንቕድሚኦም ይስደዱ ኣለው። ኣብ ጉዕዞ ስደት ዘጋጥም ሽግራት ኣነ ንዓኹም ክነግረኩም ኣይክእልንየ። ግን ድማ ኣቲ ናይ ላምበዱዛ ህልቂት ኣብነት ኩነታትንዩ። እቲ ሕሱር መራሒ ህግደፍ ንመቕዘፍቲ ኤርትራውያን ኣብ ላምበዱዛ ናይ ገለ ኣፍሪቃውያን ሞት ኢሉ ኣብ ማዕከናት ዜናኡ ኣውርዩ። ባንደራታት ኢጣልያን ውድብ ሓድነት ኣፍሪቃን ንመዘከርትኦም ኣብ ፍርቂ ተሰቒለን። ህግደፋውያን ድማ ውርደቶም ኣብ ህዝቢ ኤርትራ ክይቅላዕ: ዘለዎም ስልጣን ዕብጣ መድያ ተጠቒሞም ዛንታ ንጹሃት ቀቢሮም። ክሳብ ዘለው በዚ ነውሪዚ ተጎልቢቦም ክቕጽሉዮም።

ንስኻትኩምውን ናይ ከምዚ ዓይነት ግዳያት ኢኹም። ብኸመይ ጸገማትን ሽግራትን ሓሊፍኩም ናቱ ዝርዝራት ዘለዎ ኮይኑ፣ ኣብዛ ተዛማዲ ሰላምን ህዝባዊ ሕጋዊ ኣገልድሎት ዘለዋ ሃገር ኣለኹም። እተን ቀዳሞት ሰለሰተ ዓመታት ኣብዚውን ጽንኩራትየን። ቋንቋ ሽወደን ምምሃር መጀመርያ ጠለብያ; ንመንባባሮኻ መፍትሕያ። ምስኡ ድማ ኣብ ሃገር ዘለው ወገናትካ ከምቲ ኣቐዲምና ዝበልናዮ ኣብ ሽግር ገዲፍካዮም ከም ዝመጻእካ ስለ እትፈልጥ ናይ ውሽጢ ጸቕጢ ይፈጥረልካ። ብፍላይ ደቅኻን በዓልቲ ቤትካን ወይ በዓል ቤትክን ደቅኽን ገዲፍካ ገዲፍኪ ቊሊሕ ዝብሎም ዘይብሎም ሽማግለታት ወለዲ ኣብ ቅድሚ ዓይናኻ ከም ሓወልቲ እናተራእዩኻ ኣብ ሽወደን ታተ ምባል፣ ሰብ ክእለት ደእ ይሃቦ እምበር ብቐሊል ዝርአ ኣይኮነን። ስኒ ምንካስን ንሒን ዘድልዮ ጉዕዞዩ።

ታሪኽ ኤርትራውያን ታሪኽ ቃልሲዩ። ደጊምሲ ዓለም እትምስክሮ መለለይና ኢዩ። ንኹሉ ዓንቃፊ ምምባር ብሰላም ኣንጻሩ ምቅላስ። ሰብ እንተደልዩን፡ጽቡቕ ድልየቱ ከማልእ እንተወሲኑን ክብጻሕ ዘይከኣል የለን። ግን ኩሉ ግዜ ምስ ዓቕምኻ ዝተዛመደ ምሕሳብ ኣገዳስዩ። ንስኻትኩም መብዛሕትኹም ንኣሽቱ መንእስያት ኢኹም ናይ ሃገርኩምን ህዝቡኹምን ተጋድልኡ ብዛንታ እትፈልጥዎ ይኸውን ንገለኹም። ሓደ ዓቢ ፍጻመ ቃልሲ ህዝቢ ኤርትራን ዓወቱን ድማ ሃገራዊ ነጻነትዩ። ብመሪር ቃልስዩ ተረኺቡ። ኣሽሓት ዝተሰውኡሉ ሃገራዊ ነጻነት ብብረታዊ ቃልሲ። ሕጂ ብናተይ ርእይቶ እንገብሮ ቃልሲ ንምምሕያሽ ናብራን ሂወትን ብብልሓትን ኣርሒቕካ ምርእይን እንተወሲድናዮ፣ መጀመርያ ጡዑይ ኣካልን ኣእሙሮን ክህሉ ምቅላስ።  ሃወኽ ዘድልዮ ጉዳይ ኣይኮነን ። መጺእካሉ ዘለኻ ሃገር ሕጉን ግቡእን ተገዚብካ መሰልካ ንምርካብን ከም ምሉእ ሰብ ትምዕብለሉ መገዲ ምሓዝ። ካብ ኩሉ ንኣካልን ኣእሙሮን ብሕማቕ ካብ ዘህልኽ ምጥንቓቕን ምርሓቕን። ኣልኮላዊ መስተን ካልኦት ዓይነት ድራግን ሽጋራውን። ስፖርት ወይ ድማ ሓፈሻዊ ምውስዋስ ኣካላት ምዝውታር ኣገዳስዩ። ኣእምሮ ከም ዝሰራዕካዮዩ ዝኸይድ። ጥዑይ ኣእምሮ ኣብ ጥዑይ ኣካላት ወሳኒዩ። ብሕጽር ዝበለ ጥዕና ዘለዎ ሂወት ዕውትዩ። እዚ እቲ ባዕልና እንውንኖ ጥዕናዊ ሂወትየ ዝዛረብ ዘለኹ። ተፈጥሮ ዘምጽኦ ሕማም እንተኾይኑ ኣብ ዝበለጸ ሕክምና ዘለዎ ሃገር ስለ ዘሎና ብግቡእ ክንጥቀመሉ ኣሎና። ቅድሚ ምሕማምና ንኽመጽእ ዝኽእል ሕማም፡ንምፍላጥውን ምናልባት ኢልካ ሕክምናዊ መርመራ ኣካላት ምግባር ጽቡቕዩ። ነዚውን ዓቢ ተኽእሎ ኣሎ ኣብዚ ሃገር። ናይዚ ዓመትዚ ዝበለጻ ሃገራት ብሕክምና ኣብ ዝተገብረ መጽናዕቲ ሽወደን ራብዐቲያ። ስዊዘርላንድን ኣይስላንድን ሓንቲ ሕጂ ስማ ዝረሳዕኩዋን ጥራየን ዝቕድመኣ። ናይ ምሉእ ዓለም ሕክምናዊ ስታትስቲክዩ። ንምምባር ምችእቲ ካብ ዝኾና ሃገራት ከኣያ። ኣብ ዓስራይ መስርዕ ትርከብ ሽወደን።

ማሕበራዊ። ምስ ኩሉ ሰብ ብሰላም ምንባር። ምስ ጎረበባትኻ: መሳርሕትኻ: መማህርትኻ: ብሓፈሸኡ ትነብረሉ ሕብረተ ሰብ። ካበይን መበቆሉን ብዝየገድስ ምስ ሰባት ብምክብባር ምንባር። ንእትረኽቦም ሰበ ስልጣናትን ወሃብቲ ማሕበራዊ ኣገልግሎትን ብኣገባብን ክብርን ምርኻቦም ኣገዳስዩ። ከምኡ ምግባር ተመሊሱ ዘኽብረካዩ። ከም ኮሚኒቲ/ማሕበረ ሰብ) ማለት ኤርትራውያን ከምቲ ጽፉፍ ባህላና ምትሕጋግዝን ምርድዳእን ኣገዳሲዩ። ነቲ ኽፉእ ዘይኮነስ ነቲ ጽቡቕ ብምውሳድየ። ወገናዊ ስምዒትን ብኡ ምንቅስቓስን ሃገራዊ ሰበብ ዘለዎዩ።  ብሃገራውን ህዝባውን ኮሚኒቲ ምሕሳብን ምስራሕን ጥዕናዩ። ንመጻኢት ደሞክርያሳዊት ህዝባዊት ሃገርና ጥዑይ ሰረትዩ።

ቁጠባዊ;- ኣቕድም ኣቢለ ከም ዝጠቐስክዎ ኣብዚ መዳይዚ ዝውጥጠና ጉዳያት ብዙሕዩ። ኣብ ሓጺር ግዜ ኩሉ ክማላእ እንተሓሲብና ክንህሰ ኢና። እግሪ ምትካል ኣብ ስደት ብትዕግስቲ እምበር ብዓቕሊ ምጽባብ ኣይርከብንዩ።  መጀምርያ ቋንቋ ሽወደን ምምሃር መፍትሕዩ ኢልና ነርና። ኣብዚ ቐረባ ግዜ ዝረአኽዎ ዜና ገለ 20 ዝኾኑ ሓካይም ካብ ካልኦት ሃገራት ኣብ ሽወደን ከስርሖም ዝኽእል ክሉ ዓይነት ኣገባብ ሕክምና ቋንቋ ምስኡ ኣብ ሉንድ ዩንቨርስቲ ናይ ኣርባዕተ ዓመት ትምህርቲ ኣብ ውሽጢ ሓደ ተርሚን ከጣናቕቕዎ እዮም ዝብል ዜና ኣንቢበ። ዝተፋላለየ ሞያ ብመፍትሕ ቋንቋን ናይ መጺእካሉ ዘለኻ ሃገር ሕግን ባህልን ብምልላይ ኢኻ እትኣትዎ። ብድሕርዚ ምስ ክእለትካን ትምህርትኻን ሞያኻን ስራሕ ምርካብዩ። እዚውን ቃልሲ ዘድልዮዩ። ምስ ረኸብካዮ ድማ ናይ ሂወት ማዕርነት ኣብ ሕብረትሰ ሰብ ዝህብዩ። ስራሕ ምህላው ብነብስኻ ክትሓድር ዝገብር ኮይኑ ክብሪ ሂወትዩውንዩ። ኣብዚ ሃገር ኩሉ ዓይነት ስራሕ ናይ ገዛእ ርእሱ ክብሪ ኣለዎ። ዝኾነ ዓይነት ስራሕ ሰሪሑ ዝነብር ሰብ ከኣ ብደርጃ ስርሑ ናቱ ክብሪ ኣለዎ።

ፖለቲካ: ኣብ ኤርትራ ናይ ምውዳብን ምእካብን ርእይቶኻ ምግላጽ መሰል የለን ኢለ ነይረ። ኣብዚ ዘለናዮ ሃገር ከኣ ናይ ምዕባለ መስርሕ ብውደባዩ ዝመጽእ ዝብል እምነትን ተግባርን ኣሎ።ኣብ  ሽወደን ከምናይ መጻኢ ሃገራዊ ዓወት ኢሎም ካብ ፈለማ ዝተገንዘብዎ ትምህርታዊ ትካል ብግቡእ ምውዳብዩ።። ሃገራውን ህዝባውን ምዕባለ ኸኣ መጺኡ። ሕጂ ነብሶም ኮይኖም ንኻልኦት ህዝብታት ይሕግዙ ኣለው። ምውዳብን ምጥርናፍን ናይ ሓባር ረብሓ ዝጥምት ዕላማን ክህሉ ጥዕናዩ። ዋላ ፖለትካዊ ሰልፊ ወይ ውድብ። ማለት ምስ ኣተሓሳስባኻን ድልየተይ የማልእዩ ትብሎን። ሞያዊ መሕበራት ከም ማሕበር ሰርሕተኛታት። ማሕበራት ከምዚ ሕጂ ተኣኪብናሉ ዘለና ናይ ወጻእተኛታት መሕበራት። እዚ እቲ ብእኩብ ንማሕበራውን ባህላውን መሰለን ዕብየትን እትገብሮ መሳርሒዩ። ተሞክሮይ ገሊጸልኩም ጸኒሐ። ኣብ ፖለቲካዊ ሂወት ሽወደን ብዓቕመይ ተኻፊለ። ኣብቲ ንሃገራዊ ነጻነት ዝተኻየደ ቃልሲውን ዝኽእሎ እጃም ኣበርክተ። ንኽልትኡ ብውህደት ምሓዝዩ። ከም ዝከኣል ድማ ርእየዮን ተመኪረዮን። ሕጂውን ኣብ ሽማግልናይ ንኽልቲኡ ሒዘ እጒዓዝ ኣለኹ። ይከኣልድዩንድልየት ዘለዎስ መልሰይ እወዩ። ከምቲ ኣብ ላዕሊ ዝበልክዎ ኣብ ኤርትራ ዘለው ወገናትና ተዘይቀሲኖም ንሕና ቅሳነት የብልናን። መሰረት ዕላማ ቃልስና ኸኣዩ። ልዕሊ ኹሉ ግን ነዛ ብኽንደይ መስዋእቲ ዝተረኽበት ሃገር ክትሕደስ ዘይኮነትስ ክትባድም ንርኢ ኣለና። ጸገምና ፖለቲካዊዩ ብፖለቲካውን ህዝባውን ውዳበ ኸኣዩ ዝፍታሕ ዝብል ርእይቶ ኣለኒ። እዚ ኣብ ከም ዘለናዮ ኩነት ነቑትና ዘሎ ስርዓት ክየልገሰ ሕሰምናን መከራናን ኣየብቅዕንዩ። ኣብዚ እጃምና ክነበርክት ዝግባእዩ። ካብ ተመክሮይ እዚ ኣብ ኣስመራ ስልጣን ሕዙ ዘሎ ስርዓት:  ብዘይ ተኻፈላነት ህዝቢ ኣይተዓወተን። ዋላኳ ሕጂ እቲ መላኺ: ምርጫን ደሞክራስን ኣብ ኤርትራ ክገብር ኩንትራት ዝሃበኒ ሰብ የለን ኢሉ እንተሓሰወ: እቲ ሕቅስ መገዱ ኣይስሕትንዩ።

እቲ ሽግር ብሰራም ሽርሒ ህግደፋውያንን ኣርሒቑ ዘይርኢ መሰረት ዘይብሉ ፍልልይ ተቛወምቲ ውድባትን: ህግደፍ ንዘለእለም ዝነብር ይመስሎ ይኸውን። ግን ብደገ ብዝመጽእ ሓይሊ ይኹን ብውሽጢ ሂትለር ተሳዒሩ። መንግስቱ ሃይለማርያም ተሳዒሩ። ብዓቢኡ ጃንሆይ ተሳዒርዩ። እቲ ናይ ኤርትራ መግዛእቲ ናብ ሃገራዊ ነጻነት ዝተቐየረ: መራሕቲ ህዝባዊ ግንባር ክሳብ ክንደይ ጨለታት ምንባሮም ብዘየገድስ ብዘይ ተኻፋልነት ህዝቢ ዓወት ኣይምመጸን። ነዚ ታሪኽዚ ኣብ ዝግብኦ መድረኽ ምድያብ ናይ ኩሉና ቃልስን ምትሕብባርን ወሳኒዩ። ምሉእ ቅሳነትን ክብርን ኣብ ሃገርናን ህዝብናን ክሰፍን ምስ ሂወትና ኣተሓሒዝና ንስርሓሉ። ብዘይ ሃገር ክብረት የለን። ስደት ድማ ንሃገራዊ ጸገምና ፍታሕ ኣይኮነን። እቶም ፋሽሽታውያንሲ ”ሓደ ልቢ ሓደ ህዝቢ” እናበሉዮም ዝሽሕጡ። እዞም ቀጠፍቲ ኣብዛ ሰላማዊትን ውቅብትን ከተማኹም የቶበርግ ኣብዚ ቐረባ ግዜ ኣኼባ ኣካይዶም። ናይ ህዝቢ ኣኼባ ኢሎም ከብቅዑ ኣብ ኣኼባኦም ክካፈሉ ንዝደለዩ ኤርትራውያን ምእታው ከልኪሎም: ግዳይ ዘይሕጋውያን ኣምሲሎም ብፖሊስ ኣስጊጎም። እዚ ድዩ ”ሓደ ልቢ ሓደ ህዝቢ”። እዞም ሽቃጦ ንምትእኽካብ ስድራ: ፓስፖርት ንምሃብን ኣገልግሎት ንምርካብን ኣብ ዝሕተትሉ ኸኣ ምስ ዓቕሚ ሓደ ስደተኛ ዘይዛመድ ጠለብ ግብሪ ይጠልቡ። ነዚኦም ንዝብልዎን ዝህብዎን መመርሒ ብምእዛዝ ዘየኮነ: ዋላ ይምረር ብምቅዋሞም ኢና ናይ ሓዋሩ ፍታሕ ንረክብ። መንግስትን ሰበስልጣናትን ሽወደን ዝገብርዎ ዘለው ታሪኻዊ ጌጋ ኸኣ ንርእዮ ኣለና። ካብ እንፈትዋ ሃገርና ብሰንኪ ምልካዊ ምምሕዳሮም(ምምሕዳር ህግደፍ) ንስደት ከም ንስጣሕ ገይሮሙና ከብቅዑ: ደድሕረናን ኣብ ዘለናዮ መጺኦምን ድላዮም ኣኼባታትን ጠለብን ክገበሩ ፍቓድ ምርካቦም ክልተ ዝተራጸመ መስርሕ ሰበ ስላጣናት ሽወደንዩ። ናይ ምውዳብን ምእካብን መሰል ሕጋዊ ምዃኑ እንግንዘቦዩ። ንሽወደናዊ ዜጋ ጋዘጠኛ ዳዊት እሳቕ ዝኣሰረን ዝሸመመን ስርዓተ ህግደፍ ከም ልቡ ክሕንብጥ ምግዳፍን ብገንዘብ ግብሪ ህዝቢ ሽወደን ብዝሕገዛ  ፍጥረታት ማሕበራት ህግደፍ: ዓይንኻ ዓሚትካ ሰባት ከነውሩን ንሽወደናውያን ኤርትራውያን ከባሳብሱን ዕሽሽ ምባል ግን: ምስ ሕጋዊ መሰል ምውዳብ ሽወደን ዝምድና የብሉን። በዝስ ታሪኽ ክኽስሶምዩ።

ህግደፍ ከም ድላዮም ክዋራዘዩ ኣኽኢልዎም ዘሎ ተወሳኺ ድኽመት ከኣ ብዙሓት እንቋዎሞም ከለና ብዘይ ግቡእ ምጥርናፍና ይላገጹልና ኣለው። መንግስቲ ሽወደንን ትካላቱንውን ሕብረትና ብዘይምርኣዮምዮም ዝዘርዩና ዘለው። ሽግርና ንምፍታሕ: ሕብረትና ብውድባዊ መልክዕ ነሐይሎ። እዛ መስርትኩማ ዘለኹም ማሕበር ክሉኹም ስርሑላ። ነዛ ሲቪካዊት ማሕበርዚኣ ንምምስራትን ንምምዕባልን ዝተሓጋገዙ ዘለው ብጾት ሽወደናውያን ንውህደታዊ ስርሖም ብግቡእ ኣቕልብሉ። ምሕዝነቶም ብምኽባር ብዓጸፋ ንልዙብ ምንባር ምስ ህዝቢ ሽወደን ብውህደታውን ሰላምውን ዕላማ ምርኣዩ ኣገዳስዩ። ህግደፋውያንን መሰለቶምን ብኹሉ ኣሎ ዝበሃል መናውራ ከዕንቅፍኹም ክፍትኑዮም። ንውሽጥን ንግዳምን እናጠመትና ንምብርዓኖም ንተዓጠቕ። እዚ ክከኣል ድማ ብጉልበትን በሊሕ ኣእምሮን በርቲዕና ብጽንዓት ንቕድሚት ንመርሽ። ናይ ሎሚ ሽግርና ንናይ ጽባሕ ትንሳኤና ክኣስሮ ዕድል ኣይንሃብ።

ጽን ኢልኩም ዝሰማዕኩምኒ አመስግን።

ሓድነት ደሞክራስያውያን ይዓንብብ።

ረዘነ ተስፋጽዮን

25 ግንቦት 2017

ዓመታዊ ጉባኤ ምሕዝነት ሽወደናዊ ኤርትራዊ ባህላዊ ማሕበር ኣብ ከተማ ዮተቦርግ ብዕለት 25/05/2017 ካብ ሰዓት 14.00 ክሳብ 17.30 ብዓብላሊ ተሳታፍነት መንእሰያት ዝተሳተፍዎ ኣገደስቲ  መሰጥቲ ኣስተምህሮን ልዝብን ኣብ መዓልታዊ ሂወት ኣብ ከተማ ዮተቦርግ ዝትሕቶኡ ብዓወት ተሳላሲሉ።ኣቦ ወንበር ማ.ሽ.ኤባ.ማ. ኣቶ ቶማስ ማንግሶን ናይ እንቋዕ ደሓን መጻእኩም ኢሉ  ብምኽፋት፡ ናይ ክብርቲ  ዕለት 24 ጉንቦት መበል 26 ዓመት ዝኽሪ መዓልቲ  ናጽነት ኤርትራ እንቋዕ ኣብቅዕኩም ብምባል ሰናይ ምንዮቱ ገሊጹ፡

Sweden 2 DSC 0061

ንቀዳማይ ዕዱም ከንቲባ ምምሕዳር ከተማ ዮተቦርግ ሓላፊ ናይ መንበሪ ገዛውትን ናይ ስራሕን ኣቶ ዮናስ ኣተንዩስ መድረኽ ሃቦ። ኣቶ ዮናስ ብኣዝዩ ሰፊሕን ብሩህ መደብ ናይ ኩነታት ስራሕን፡ ናይ ስራሕ ኣልቦነትን፡ ብጉዳይ መንበሪ ገዛውትን ኣብ ከተማ ዮተቦርግ ፡ ብጉዳይ ነዚ ዝተግብሩ ትካላት መንግስቲ ግዴኦም ሓባራዊ ምዉህሃድ ስራሓቶም ኣብሪሁ። ተሳተፍቲ ብኣትኩሮ ሃላዋቶም ተመርኲሶም ኣገደስቲ ዝኾነ ሕቶታትን ብንጹር ብምቅራብ ዳርጋ ናይ ሓደ ሰዓት ዝወሰደ ክትዕን ልዝብን ተካየደ። ዝነበረ ጊዜ እኹል ስለ ዘይኮነ ንመጻኢ ሓድሽ ርክብ ክግበር ተማባጺዑ ብሓጎስ ኣመንስጊኑ ዛዘመ።

Sweden 3 DSC 0062

ቀጺሉ  ሓው ረዘነ ተስፋጽዮ ኣባል ባይቶ ሃገር ሽወደን ነበርን ኣባል ፈጻሚ ሽማገለ ሰ.ዲ.ህ.ኤ. በቲ ልዙብን ንጹር መሳጢ መደረኡ ታሪኻዊ ኣመጻጽኣ ሃገርና ኤርትራ ህዝባን ፡ ካብ ጥንቲ ኣብ ጊዜ መግዛእቲ፡ ካብ ጊዜ ሰውራ ክሳብ ነጻነትን፡ ድሕሪ ናጽነት ህልዊ ምምሕደራን ግዳይ ኮይኑ ዘሎ ዉጹዕ ህዝብና ብፍላይ ንመንእሰይ ዘተኮረ ታሪኻዊ ኣስተምህሮ ብምሃብ ንተሳተፍቲ ዘዕግብ ኣስተምህሮ ሃበ።

sweden 3 DSC 0063

ተኸቲሉ ኣቶ ኡልፍ ቦስትሮም ናይ ውህደት ፖሊስ ከተማ ዮተቦርግ ብቀልልን ኣብነት እናሰነየ ትርጉም ፖሊስ ዲሞክራሲ ምልክን ኣብ ትሕቲ 4ተ ዓንዲ ሕጊ ሽወደንን፡ ልዕልና ሕግን መንግስትን ህዝብን ብኸመይ ይወሃህዱ ሓቢረ። ፖሊቲከኛታት ትካላት መንግስቲ ሽወደን ኣፍልጦም ብዛዕባ  ሽግር ኤርትራ እኩልን ልክዕ ኣፍልጦ ከም ዘይብሎም ነቅፉ ፡ ንሕና ከም ኤርትራውያን ንህልዊ ስቅያታና ሰሚርና ንህዝብን ፖሊቲከኛታት ሽወደን ክንሕብር ተላብዩ ብሉጽ ኣገዳስን ኣስተምህርኡ ዛዘመ።

Sweden 1 DSC 0052

ኣብ መድወዳእታ ንካድር ማሕበር መንእሰይ ሰልፊ ሶሻል ደሞክራት ቪክቶ ፡ ግደ መንእሰይን ዝገበርዎ ለውጢ ኣብ ሕብረተሰብ ግብራዊ ኣብነት ብግብሪ ዝተዓወትሉ ሓቢሩ። ንስኻትኩም  ከም ኤርትራውያ መንእሰያት ከኣ ምሳኹም ብሓባር ኮና ንዘሎኩም ሽግርን ፈቲሕና ንከተማና ዮተቦርግ ክጽግና ከነማዕብላ ብፖሊቲካዊ ትምህርትን ህዝቢ ብምጽላው ክንዕወት ኢና ብምባል ሓጺርን ጠቃምን ሓበሬታኡ ሂቡ። ኣቦ ወንበር ማሕበር ኣቶ ቶማስ ከኣ ንኩሎም ኣጋይሽ ጽገረዳ ዕንባባ ብምሃብ ክብሪ ምስጋና ሃበ። ድሕሪ ናይ ዳርጋ ክልተ ሰዓት ፈረቃን ኣስተምህሮ ልዝብን  ቀጻሊ ዓመታዊ ጉባኤ ማሕበር ኤርትራ ኣብ ልብና ኣላ ብዝቀረበ ንጥፈታትን ዝተትግበሩ መደባትን ጸብጻብ ገንዘብን ኣቅሪባ ብዲሞክራስያው ኣገባብ 15 ኣባላት ኣካያዲት ሽማገለ ብምምራጽ ኣኼባኡ ብሙዉቅ ሕውነታዊ ውህደት ዛዚሙ።

Woldeyesus Ammar

(This paper was presented a year ago at a conference in Geneva entitled:  "Eritrea at Silver Jubilee: Stocktaking on the Nation-Building Experience of a 'Newly' Independent African Country." .........).

ቅድሚ ኣብ ቀንዲ ሓሳበይ ምእታው፡ ነዚ ክብርን መጎስን ዝግብኦ ውፉይን ጻዕራምን ህዝቢ ኤርትራ ዮሃና እንቋዕ ንመበል 26 ዓመት ጽንብል ናጽነት ኣብቅዓካ ኣብቅዓና እብል።

ናጽነት ዋጋ ክቡር መስዋእቲ ጀጋኑናን ልዑል ጻዕሪ መላእ ህዝብናን ስለ ዝኾነት፡ ኣብ ዓመት ሓደ ግዜ ጥራሕ ዘይኮነስ ኣብ ወወርሒ እንተነብዕላ‘ውን ኣይምበዝሓን። ብመንጽር‘ቲ ዝተኸፍለ ዋጋ ክንርእያ እንከሎና እምበኣር፡ ንዓና ሓለፋን ልዕሊ ኩሉ ክትከብርን ክትዕቀብን ዝግበኣ እዩ። ስለ ዝኾነ ድማ እዩ፡ መላእ ህዝቢ ኤርትራ መን ተሰዊኡ መን ኣትዩ ከይሓተተ ነዛ ህያብ ስዉኣቱ ንዝኾነት በዂሪ ናጽነት 24.05.1991 ብሓባርን ብልዑል ወንን ሓጐሱ ብጓይላን ዝላን ደበላን ማሰን ጨፈራን እልልታን ኣሰንዩ ንሰሙን ዝኣክል ዝጸንበላ።

እዚ ጽንብል‘ዚ ከኣ ተራ መግለጺ ሓጎስን ደስታን ጥራሕ ዘይኮነስ፡ መደምደምታ መግዛእትን ኣራግጽን ባዕዳውያንን ስቅያቱን፡ መጀመርያ ራህዋን እፎይታን መበገሲ ሓድሽ ጎደና ምዕባለን ምሉእ ተስፋን ህዝቢ ኤርትራ እዩ።

እዚ ማለት ከኣ ህዝቢ ኤርትራ ወናኒ ነጻን ልዑላዊትን ሃገር ኮይኑ ዝዓነወት ሃገሩ ክሃንጽን ምስተን ድኽነት ዝሰዓራ ምዕቡላት ሃገራት ክስራዕን ንስራሕ ክዋፈርን ህይወቱ ክቅይርን ምሉእ ተስፋን እምነትን ነይሩዎ ማለት እዩ።

ምስጢር ጽንብል ናጽነት ትማሊ እምበኣር እዚ ኣብ ላዕሊ ዝተገልጸ ተስፋን ባህግን ምሉእ ምትእምማን ዝመንቀሊኡ መላእ ህዝቢ ኤርትራ ዓዳም ተዓዳሚ ዘይነበሮ ሓጎስን ደስታን እዩ ነይሩ።

-         እዛ ሎሚ ን26 ዓመት ብዘይሃገራዊ ቅዋምን ሕገ-መንግስትን እትመሓደር፤

-         ፍርቂ ህዝባ ብዘይፍትሓዊ ብይን ኣብ ገሃነባዊ ስቅያት ቤት ማእሰርቲ ዝሳቐየላ፤

-         መሰረታዊ መሰል ደቂ-ሰባት ዘይክበረላ፤

-         ተካኢ ወለዶ መንእሰይ ተስፋ ስኢኑ ሃጽ ኢሉ ዝጠፍኣላ፤

-         ወድ-ሰብ ከም ጠለ-በጊዕ ዝሽየጠላን ዝጉዘየላን፤

-         ሕሰም፡ ድኽነት፡ ስቓይን ጓህን ዘስፋሕፍሓላ፤

-         ውሑዳት ሰብ ጽሩራ ዝሕጸኑላ፤

-         ጉቦን ወገነይ ወገንካን ዝስዕርሩላ፡ ብጽዩፍ ምሕደራን ግህሰት ሰብኣዊ መሰልን ዓለም ዝዛረበላ፤

-         መዓልታዊ መሰረታዊ ኣድላዪ ቀረብ  ንወድ-ሰብ ዘይርከበላ፤

-         ኰታ ብዝኾነ መለክዒ ወድሰብ ንክነብራ ኣብ ዘይክእለሉ እዋን ዝግበር መበል 26 ጽንብል ናጻነት ምስቲ ናይ ትማሊ በዂሪ ነጻነት ዝነበረ ባህርን መንፈስን ተመሳሳልነት ክህልዋ ዝሕሰብ ኣይኮነን።

ምኽንያቱ ናጽነት ሰንደቕ ዕላማ ብምንብልባል ወይ‘ውን ባዕዳውያን ስለ ዘውጻእካ ጥራሕ ዘይኮነስ፡ በቲ ንሳ ንዜጋታት እትህቦ ክብርን ሓርነታዊ ጸጋን ስለ እትጽሎ።

ኣብ መንጎ ናይ መጀመርያ 1991 በዂሪ ጽንብልን  ድሕሪ ርብዒ ዘመን ናይ ሎምን ዘሎ ፍልልይ ንምዕቃንን ርጡብ ሚዛን ምሃብን ከኣ፡ ህዝብና ዝሓልፎ ዘሎ ማሕበራውን ምጣኔ ሃብታውን ባህላውን ፖለቲካውን ኩነታት ምንባብ ጥራሕ እኹል ምስክር እዩ።

ካብዚ ሓቂ‘ዚ ነቒልካ እምበኣር ጥሙይ ማዕረ ጽጉብ፡ ሕዙን ማዕረ ሕጉስ ክዘልል ክሕጐስ ቀሊል እኳ እንተዘይኮነ፡ ህዝብና ንክብርቲ ናጽነቱ፡ ተግባራትን ኣመራርሓን ህግደፍ ብዘየገድስ፡ ነታ ጽባሕ ዝጽበያ ሕግን ፍትሕን ዝመለለይኣ ናጽነት እናኣማዕደወ፡ ንመንግስቲ ፈሪሕና እንምርቖ ሓሪቕና ንውላድና እንረግሞን ናይ ክልቲኦም ኣይብጻሕ እናበለ ብኣካል ከም ዝጽንብላ ርዱእ‘ዩ። ስለያ ስርዓት ህግደፍን ካመራታቶምን እሞ ከኣ ስራሕ ተረኺቡለይ መን ክፍተል መን ክዕዘብ ወዓለ፡ ኣብ ምስናድን ፖለቲካዊ ትርጉም ኣብ ምእላምን፡ ምቅንባር ተጸሚዶም ከም ዝውዕሉ ዘተሓትት ኣይኮነን።

እዚ ግን ወዲሰብ ብፍትሒ እምበር ብፍርሒ ንዘልኣለም ስለ ዘይነብር፡ ከልዕሎን መልሲ ክረኽበሉ ዘለዎ ክሳብ መዓስ ከምዚ ዓይነት ጽንብል ዝብል ሕቶ ክህልዎ ግድን‘ዩ። እቲ መልሲ ከከም መለስቱ ዝፈላለ እኳ እንተኾነ፡ እታ ሓቀኛ መልሲ ግን ሓንቲ‘ያ። ንሳ ድማ ስርዓት ህግደፍ ሃገርን ህዝብን ለኪሙ ናይ ምጥፋእ ስርሐይ ኢሉ ተተሓሒዙዎ ምህላዉ ሃገር ንምድሓን ሓቢርካ ንድሕነታ ምቅላስን እያ።

እዚ መስርሕ‘ዚ ከኣ ንሓደ ካብቲ ሓደ ዝያዳ ስለ ዘይትብጽሖን፡ ኩሉ ደላይ ፍትሕን ኣፍቃር ህዝቡን ኤርትራዊ እንተላይቶም ብጥሙይ ከብዶም ንስርዓት ህግደፍ ዝሕልዉ ዘለዉ ውጹዓት ምክልኻል ኤርትራን፡ እቶም ምእንቲ ንእሽቶ ውልቃዊ ረብሓ ክብሉ 2% ዝኸፍሉ ኣብ ስደት ዝነብሩ ክጽመዱሉ ዘለዎም ጉዳይ እዩ።

ስርዓት ህግደፍ ሃገር ኣብ ምምራሕ ፈሺሉ እንከሎ፡ ን26 ዓመታት ኣብ ልዕሊ ህዝብና ሸይሸይ ዝብል ዘሎ፡ ድኽመትን ምብትታንን ደምበ ተቓውሞ ብዝፈጠረሉ ዕድል እምበር፡ ካብ ኩሎም ገዛእቲ ሓይልታት ስለ ዝሓየለ ኣይኮነን። ስለዚ ክብርን መሰልን ሃገርና ኣብ ንቡር ክምለስ ዝፈረሰ ህንጻታት ክሕደስ ፡ ዝሓዘነ ወላዲ ክድበስ፡ ዝቓደረ ግራሁና ክሕረስ፡ ኣብ ሃገረ ባዕዲ ዝነብር ህዝብና ንዓዱ ክምለስ፡ እዚ ኣረሜናዊ ስርዓት‘ዚ ሱሩ መሰረቱ ይመንቈስ።

እዚ ከኣ ኩሉ ትሕቲ ሃገራዊ ኣረኣእያ ኣወጊድካን ኣመሓዲርካን ሃገር ኣብ ቀዳማይ ቦታ ሰሪዕካ፡ ብሓባር ካብ ምቅላስ ዝሓሸ ኣማራጺ የለን። ሓቢርናን ከቢርናን እንነብረላ ሃገር ብሓባር ከነድሕና ስለ ዝግባእ፡ ሎሚ ኣብ ዝግበር መበል 26 ዓመት ጽንብል ነጻነት ሃገርና ንምድሓን መብጽዓና እነሐድሰላ‘ምበር ኣብ ዳስ ህግደፍ እንቈጻጸየሉ ወይ ድማ ተስፋ ቆሪጽና ምዕጉርትና ሒዝና እንትክዘሉ እዋን ከም ዘይኮነ ክንርዳእ ይግባእ።

ዓወት ንፍትሓዊ ቃልስና

ውድቀት ንስርዓት ህግደፍን ዓንገልቱን

ዘለኣለማዊ ክብርን ዝኽርን ንጀጋኑ ሰማእታትና

ዓንደጽዮን ግርማይ

ጀርመን

ክቡራትን ክቡራንን

 

ህዝቢ ኤርትራ፡ ን30 ዓመት ዘካየዶ ብረታዊ ተጋድሎ፡ ብ1991 ዓ.ም ንሰራዊት ጐበጣ ኢትዮጵያ ካብ መሬቱ ሓግሒጉ ብምጽራግ፡ ኤርትራ ናጻ ኣውጺእዋ። ብ24 ግንቦት 1993 ብዝተኻየደ ህዝባዊ ሪፈረንደም ድማ፡ ኤርትራ ናጻን ልዑላዊትን ሃገር ኰይና ኣህጕራዊ ተፈላጥነት ረኸበት። እዚ ናጽነት’ዚ ብሃቦ ተረከቦ ዘይኰነስ፡ ከቢድ ናይ ህይወት፡ ንብረት፡ ግዜ መስዋእቲ ብምኽፋል ኢዩ ተረጋጊጹ።

 

ሰልፊ ዲሞክራሲ ህዝቢ ኤርትራ (ሰዲህኤ)፡ ብኣጋጣሚ መበል 26 ዓመት ናጽነት ኤርትራ፡ ንህዝቢ ኤርትራ ናይ ዮሃና መልእኽቱ እናመሓላለፈ፤ በቲ ካልእ ሸነኽ ከኣ፡ ኣብ ትሕቲ ውልቀ-ምልካዊ ስርዓት ዘሕልፎ ዘሎ ናይ ስቓይን ዓፈናን ሃለዋት መሪር ሓዘኑን ጓሂሁን ይገልጽ።

 

መበል 26 ዓመት ናጽነት ኣብ እንጽንብለሉ ዘለና እዋን፡ ህዝብና ብሰንኪ ስእነት ማይ፡ መብራህቲ፡ መንበሪ ኣባይቲ፡ ሕክምና፡ ስራሕ ይሳቐ ምህላዉ ዘይከሓድ ህዝብናን ዓለምናን ዝምስክርዎ ሓቂ ኢዩ። ኣብ ርእስ’ዚ፡ ማእለያ ዘይብሎም መንእሰያት ኤርትራ፡ ናይ መጻኢ ዕድሎምን ተስፋኦምን ስለዝጸልመቶም፡ ዝፈትውዋ ሃገሮምን ዝፈትውዎ ህዝቦን ራሕሪሖም ንስደት የምርሑ ኣለዉ። ኣብ ጕዕዞ ስደቶም ድማ፡ ንሞት፡ ግህሰት ሰብኣዊ መሰላትን ዓዛብን ይቃልዑ ኣለዉ። እቲ ህዝብና ዝልለየሎም ክብርታትን ባህልታትን ተደዊኖም፡ ስደተኛታትን ስኡናትን ዝብል ስም መጸዊዕናን ሕላገትናን ምዃኑ ከመይ ዘየሕዝን።

 

 

ስርዓት ኢሳያስ ምስ ኢትዮጵያ፡ የመንን ጅቡትን ዝወልዖ ኵናት ገለ ክፋል ካብ መሬትና ክንስእን ገይሩና ኢዩ። ሕጂ ድማ፡ ኣብ ገማግም ቀይሕ ባሕሪ ዝርከብ ማያትና፡ መሬትናን ሰማያትናን ነቶም ኣንጻር ሓይልታት ሖቲ ዝዋግኡ ዘለዉ ብስዑድያ ዝምርሑ ሓይልታት ስለዘካረዮ፡ ሃገርና መዐንደሪ ናይ ወጻኢ ሰራዊት ኰይና ኣላ። ህዝብና ድማ፡ ኣብ ገዛእ ባሕሩ ከይገፍፍ፡ ኣብ ገዛእ መሬቱን ማያቱን ድማ ከይንቀሳቐስ ተሓሪሙ ጥራይ ዘይኰነስ፡ ብደብዳብ ነፈርቲ ልፍንቲ ሃገራት ኣዕራብ ንሞት ክዳረግ ጀሚሩ ኣሎ።

 

ክቡራትን ክቡራንን

 

እዚ ንህዝቢ ኤርትራ ምብላዕ ዝለመደ ስርዓት፡ ሕጂ ከኣ፡ ጥሙር ዘላቒ ልምዓት ኣብ ትሕቲ ዝብል ምቁር ቃላት፡ ነተን ኣብ ግዳም ዝርከብ ህዝብና ርሂጹን ደኺሙን ዘዋህለለን ናይ ወጻኢ ባጤራታት ንምምንዛዕ ከምባህቕ ይርአ ኣሎ።

 

ድሕሪ ፍሽለት መደባት ጥሙር ሕርሻ፡ ምህናጽ መንበሪ ኣባይቲ፡ ፎንድ፡ ብቸክ ምስራሕ ዝብል መፈንጠራ ምሕዳግ ገንዘብ ህዝቢ ክታለል ዝኽእል ሰብ ዝህሉ ኣይመስለናን። ኣብ ኤርትራ ገንዘበይ ኣብ ልምዓት ኣፍሲሰ ረብሓ ክረክብ’የ ኢሉ ዝሓስብ ኤርትራዊ ይኹን ወጻእተኛ እንተደኣሃልዩ ዝዓበደ ወይ ነገር ዘይጸገበ ጥራሕ ኢዩ ክኸውን ዝኽእል። ማዕድን ኤርትራ ተጓሕጕሖም ብወደብ ምጽዋዕ ንግዳም ክወጹ ይርኣዩ ኢዮም። ኣታዊታቶም ግን፡ ኣበይ ይውዕል ዝፈልጥ እቲ መላኺ ዘውዲ ዘይደፍአ ንጉስን መጋበርያታቱን ጥራሕ ኢዮም።

 

ኤርትራ ኣብ ትሕቲ ስርዓት ኢሳያስን ፖሊሲታቱን ሰላም፡ ልምዓት፡ ፍትሕን ዲሞክራስን ዝሰፈና ሃገር ክትከውን ከምዘይትኽእል ዝሓለፍናዮ ናይ 26 ዓመታት ተመኵሮ ዝምስክሮ ሓቂ ኢዩ። ስለ’ዚ፡ ብዘይካ ንስርዓት ኢሳያስን ፖሊሲታቱን ቀይርካ፡ ብቅዋም እትመሓደር፡ ግዝኣተ-ሕጊ ዝሰፈና ኤርትራ ምህናጽ ካልእ መተካእታ የለን።

 

ነዚ ክውን ንምግባር፡ ኣብ ውሽጥን ኣብ ግዳምን ዝርከቡ ንለውጢ ዝቃለሱ ኤርትራውያን ነቲ ብሓባር ከስርሖም ዘይከኣለ፡ ኣሉታዊ ተመኵሮታት ካብ ምድጋም ወጺኦም፡ ለውጥን ሰላማዊ ምስግጋር ስልጣንን ከረጋግጽ ዝኽእል ባይታ ክምድምዱ ወይ ከንጽፉ ይግባእ።

 

ነዚ ንምግባር ድማ፡ ክሳብ ውድቀት ዲክታቶርያዊ ስርዓት፡ ኣብ ህዝባዊ፡ ዲፕሎማስያውን ዜናውን ዕዮታት ክካየዱ ወይ ክሳለጡ ዘለዎም ሓባራዊ ዕማማትን ዕላማታትን ምስምማዕ ጥራሕ ኢዩ ዝሓትት።

                                                                  

ብዘይ ሃገር ክብሪ ይኹን ዲሞክራሲ ክረጋገጽ ስለዘይከኣል፡ ነዛ ከቢድ ዋጋ ዝኸፈልናላ ሃገር ምሕላው፡ ንሰማእታትና ምኽባርን ንሓድነትና ዝፈታተኑ ሓይልታት ምብዳህን ሓላፍነትናን ግቡእናን ኢዩ።

 

ኣብ ኤርትራ ዘሎ ገፋዒ ስርዓት ከም ኵሎም ከምኡ ዝኣመሰሉ ስርዓታት ምውዳቑን ምሕላፉን ኣይተርፎን ኢዩ። ድሮ’ኳ፡ ኣንፈታቱ ክርአ ጀሚሩ ኣሎ። ህዝቢ ኤርትራ ግን ነባሪ ስለዝዀነ፡ ዓስቢ መስዋእቱን ቃልስታቱን ክረክብ ምዃኑ ኣይንጠራጠርን ኢና።

 

ጸላም ተቐንጢጡ፡ ብርሃን ክነግስ!!

መብጽዓና ንቓልሲ እንደገና ነሐድስ!!

ክብርን ዘልኣለማዊ ዝኽርን ንሰማእታትና!!

 

መንግስተኣብ ኣስመሮም

ኣቦ መንበር ሰዲህኤ

24 ግንቦት 2017

ርእሰ-ዓንቀጽ ሰዲህኤ

ግዜ የማን ጸጋም ዘይብል፡ ብናቱ ሕጊ ዝግዛእ መንገደኛ ስለ ዝኾነ፡ እነሆ ኣብ መበል 26 ዓመት ዝኽሪ ናጽነት ኤርትራ በጺሕና። ብሓፈሻዊ ተረድኦ ሓደ ተረኽቦ ዕድመ እንዳበለዐ ክኸይድ እንከሎ ማዕሪኡ ይዓብን ይስስንን። እቲ መስርሕ ከምዚ እንተዘይኮይኑ ግና ኣብቲ ጉዕዞ ጸገም ኣሎ ማለት እዩ።

ናጽነት ኤርትራ ኣብ ናይ 26 ዓመት ዕድሚኡ ህያውነቱን ክብሩን ኣብ ዘለዎ ኮይኑ፡ ፍሪኡ ግና ከምቲ ዝተነብረሉ ትጽቢት ኣዕንጋሊ ኣይኮነን። እኳደኣ ኣብ ክንዲ ንቕድሚት ናብ ራህዋ፡ ንሓንሳብ ኣብ ዘለዎ ጠጠው ንሓንሳብ ድማ ንድሕሪት ናብ ደልሃመት እንዳተጓዕዘ ሕጊግ ይብል እነሆ። ናይዚ ጠንቅን ተሓታትን ድማ እቲ ንናጽነት ካብ ዋናኡ ህዝቢ ኤርትራ መንዚዑ ናይ ጸቢብ ክሊ መጣልዒ ገይርዎ ዘሎ ጉጅለ ህግደፍ እዩ።

ህዝቢ ኤርትራ እቲ ካብ መግዛእትን ሕሰምን ከድሕኖ ዘካየዶ ቃልሲ፡ ኣብ ፍርቂ መንገዲ ስለ ዝተኾልፎ ብሓፈሻ “ዘስካሕክሕ” ኢልካ ጠቒስካዮ ክትሓልፍ እምበር ክትዝርዝሮ ኣብ ዘጸግም ኩነታት ይነብር ኣሎ። ጉጅለ ህግደፍ ወዮ ኮነ ኢሉ ዝትግብሮ ዘሎ ስለ ዝኾነ ናይ ህዝቢ ሕቶ ሓርነት፡ መሰል፡ ሰላምን ዕቤት ከምዘይምልስ ካብ ዘረጋግጽ ነዊሕ ግዜ ኮይኑ እዩ። እዚ ጉጅለ ብዓቕሚ ይኹን ብባህሪ፡ ናብቲ ናይ ድሕሪ ናጽነት ምዕራፍ፡ ደሞክራሲ፡ ልዕልና ህዝቢ፡ ሰላምን ዕቤት ክስጉም ስለ ዘይክእል ንድሕሪት እንዳጠመተን ሕሩስ እንዳሓረሰን ኣብ ሕሉፍ መዋእልዩ ዝነብር ዘሎ።

ጉጅለ ህግደፍ እቲ ሓቀኛ ፍቕሩ ምስቲ ዝሓለፈ ጥራይ ኮይኑ፡ ኣብ ከምዚ ዓመታዊ ዝኽሪ ናጽነት ኮይኑ ዝኣትዎ ግና ዘይትግብሮ መብጸዓታት’ውን የስምዕ እዩ። ብዛዕባ ሰላም፡ ደሞክራስን ልምዓትን ደጊኡ ጥዑይ ዝመስል ውሽጡ ግና ብመዓር ዝተላዕጠጠ ዕረ ሓረጋት ምቅላሕ እውን የዘውትር። እዚ ኩሉ ተደሚሩ ግና ነቲ እንዳተዓሻሸኻን እንዳፈራራሕካን ኣብ ስልጣን ናይ ምንባር ሕልሙ ጥራይ ዘንጸባርቕ እዩ።

ከምቲ ዝኾነ ተረኽቦ መጀመርታን መወዳእታን ዘለዎ ኣብዚ እዋንዚ መወዳእታ ዕድመ ህግደፍ ይቀራረብ ከም ዘሎ ዘመልክቱ ተርእዮታት ብዙሓት እዮም። ህዝቢ ኤርትራ እምነቱ ካብቲ ጉጅለ ጸንቂቑ እዩ። ዋልታን ሴፍን ኮይኑ ስልጣኑ ክሕልወሉ ዝጽበዮ ዝነበረ ወተሃደር ኤርትራ ኢዱ የልዕል ኣሎ። ብዘይ ክፍሊትን ናይ ግዜ ደረትን ብጉልበቱ ካዝንኡ ክመልኣሉ ዝተጸበዮ መንእሰይ ከምቲ ዝደለዮ ኣይኮነሉን። ኣብቲ ውሱን ጉጅለኡ ድማ ረብሓን ምጥፍፋእን ዝወለዶ ምፍሕፋሕ ሰማይ ይዓርግ ኣሎ። ወጻኢ ካብ ኤርትራ ደንበ ህግደፍ እንዳ ቆረረ ደንበ ሓይልታት ለውጢ ይመውቕ ኣሎ። ናይ ርሑቕን ናይ ቀረባን ሓይልታት ግዳም ህግደፍ ናብ ልቡ ክምለስ ዝነበሮም ትጽቢት ቅሂሙ እዩ።

ኩነታት ከምዚ ኣቐዲሙ እንዳሃለወ፡ ጠንቂ ናይዚ ኣብ ዝሓለፈ 26 ዓመታት ድሕሪ ናጽነት ኣብ ኤርትራ ወሪዱ ዘሎ መከራ ብግቡእ ክርድኡ ዝተጸገሙ ወገናት ኣይተሳእኑን። ከም ውጽኢት ናይዚ ድማ ናጻ ሃገር ስለ ዝወነና ኢና ኣብ ከምዚ ወዲቕና ዘለና። ንናጽነት ምቅላስና ጐዲኡና እምበር እንታይ ጠቒሙና። ዝኣመሰሉ ምድንጋር ዝወለዶም ሓሳባትን ዘይብሱል መፍትሕታትን በጨቕ ክብሉ ምስማዕ ልሙድ ኮይኑ ኣሎ። ነዚ ተጠዓሲ ሓሳባት ዘንጸባርቑ ወገናት ሰኣን ምፍልጦም እንተኾይኑ ኣብ መስርሕ ቃልሲ ናብ ግቡእ ቦታኡ ዝምለስ እዩ። ኮነ ኢልካ ነቲ ብክቡር መስዋእትን መሪር ቃልስን ዝተረጋገጸ መበል 26 ዓመቱ ንዝክሮ ዘለና ናጽነት ኤርትራ ንምዕጻፍ ዝተማህዘ ተንኮል እንተኾይኑ ግና ምዉት ከተተንስእ ካብ ምፍታን ሓሊፉ ካልእ ክኸውን ኣይክእልን እዩ። እንተ ንሕና ናጽነትና ንጠዓሰሉ ዘይኮነ፡ እንሕበነሉ’ዩ።

መበል 26 ዓመት ናጽነት ክንዝክር እንከለና ማእከላይ ጠመተና ሕሉፍ ምዝንታውን ህልዊ ጸገማትና ምዝርዛር ዘይኮነ “እሞኸ ካብዚ ንምውጻእ እንታይ ንግበር?” ናብ ዝብል ምምዕዳው እዩ። ጸገምና እንታይ ምዃኑ ብሩህ ስለ ዘሎ እንታይ ክንገብር ከም ዝግበኣና እውን ዝስወረና ኣይኮነን። እቲ ዝተርፍ እቲ ክንገብሮ ዝግበኣናን ንብህጎን ክንገብር ቅሩባት ክንከውን ምብቃዕን ዘይምብቃዕን እዩ። ሎሚ ከም ናይ ለውጢ ሓይልታት ቃልስና ድርብ እዩ። ምናልባት’ውን ድርብርብ። በቲ ሓደ ወገን ኣንጻር ጉጅለ ህግደፍ በቲ ካልእ ድማ ኣንጻር ክሳብ ሕጂ ዘየዕወተ ኣተሓሳስባና። እቲ ቀንድን ቀዳምነት ዝሕዝን ከኣ እቲ ድሑር ኣተሓሳስባና ስዒርና ኣንጻር ጉጅለ ህግደፍ ተቓሊስና እንዕወተሉ ኩነታት ምፍጣር እዩ። እዚ ዕማምዚ ብባህሪኡ ኮነ ብኣቀማምጣ ናይ ሓደ ኣካል ዘይኮነ ናይ ኩልና ኣብ ስዕረት እቲ ጉጅለ እምነትን ረብሓን ዘለና ሰልፍታት፡ ውድባት፡ ማሕበራትን ግዱሳትን እዩ።

እቲ ቀንዲ ተዋሳኢ ኣብ ቃልሲ ምርግጋጽ ናጽነት ህዝቢ ኤርትራ እዩ ነይሩ። እቲ ቀንዲ ፍረ ናጽነት ዝተነፍጎ ከኣ እነሆ ህዝቢ ኤርትራ እዩ። እቲ ኣብዚ ነካይዶ ዘለና ቃልሲ ቀንዲ ናይ ለውጢ ሓይሊ ከኣ ህዝቢ ኤርትራ እዩ። እቲ ናይ ካለኦት ወገናት ኣበርክቶ ድሕሪ ግደ ህዝቢ ኤርትራ ዝስራዕ እዩ። ህዝቢ ኤርትራ ብተግባራት ጉጅለ ህግደፍ ኣይተሓጐሰን ጥራይ ዘይኮነ ቅሒሩ እዩ። ኣባና ኣብቶም ናይ ለውጢ ሓይልታት እውን ሕጉስ ከምዘይኮነ ተኣሚንና፡ ህዝብና እምነቱ ኣባና ከም ዘሕድስ ክንገብር ኣብ ቅድሜና ዘሎ ዓብይ ዕማም’ዩ። ስለዚ ኣብ መጻኢ ኩሉ ክኢልና ብሓባር ክንሰርሕ ክንበቅዕ ኣብዚ ታሪኻዊ ኣጋጣሚ ዝኽሪ ናጽነት ቃልና ነሕድስ።

ናጽነትና ንጠዓሰሉ ዘይኮነ፡ እንሕበነሉ’ዩ
ክብርን ዝኽርን ንሰማእታት ኤርትራ

24 ጉንበት 2017