ናጽነትና እንሕበነሉ’ምበር፡ እንጠዓሰሉ ኣይኮነን!

2017-05-23 21:17:26 Written by  ቤት ጽሕፈት ዜና ሰዲህኤ Published in EPDP News Read 2180 times

ርእሰ-ዓንቀጽ ሰዲህኤ

ግዜ የማን ጸጋም ዘይብል፡ ብናቱ ሕጊ ዝግዛእ መንገደኛ ስለ ዝኾነ፡ እነሆ ኣብ መበል 26 ዓመት ዝኽሪ ናጽነት ኤርትራ በጺሕና። ብሓፈሻዊ ተረድኦ ሓደ ተረኽቦ ዕድመ እንዳበለዐ ክኸይድ እንከሎ ማዕሪኡ ይዓብን ይስስንን። እቲ መስርሕ ከምዚ እንተዘይኮይኑ ግና ኣብቲ ጉዕዞ ጸገም ኣሎ ማለት እዩ።

ናጽነት ኤርትራ ኣብ ናይ 26 ዓመት ዕድሚኡ ህያውነቱን ክብሩን ኣብ ዘለዎ ኮይኑ፡ ፍሪኡ ግና ከምቲ ዝተነብረሉ ትጽቢት ኣዕንጋሊ ኣይኮነን። እኳደኣ ኣብ ክንዲ ንቕድሚት ናብ ራህዋ፡ ንሓንሳብ ኣብ ዘለዎ ጠጠው ንሓንሳብ ድማ ንድሕሪት ናብ ደልሃመት እንዳተጓዕዘ ሕጊግ ይብል እነሆ። ናይዚ ጠንቅን ተሓታትን ድማ እቲ ንናጽነት ካብ ዋናኡ ህዝቢ ኤርትራ መንዚዑ ናይ ጸቢብ ክሊ መጣልዒ ገይርዎ ዘሎ ጉጅለ ህግደፍ እዩ።

ህዝቢ ኤርትራ እቲ ካብ መግዛእትን ሕሰምን ከድሕኖ ዘካየዶ ቃልሲ፡ ኣብ ፍርቂ መንገዲ ስለ ዝተኾልፎ ብሓፈሻ “ዘስካሕክሕ” ኢልካ ጠቒስካዮ ክትሓልፍ እምበር ክትዝርዝሮ ኣብ ዘጸግም ኩነታት ይነብር ኣሎ። ጉጅለ ህግደፍ ወዮ ኮነ ኢሉ ዝትግብሮ ዘሎ ስለ ዝኾነ ናይ ህዝቢ ሕቶ ሓርነት፡ መሰል፡ ሰላምን ዕቤት ከምዘይምልስ ካብ ዘረጋግጽ ነዊሕ ግዜ ኮይኑ እዩ። እዚ ጉጅለ ብዓቕሚ ይኹን ብባህሪ፡ ናብቲ ናይ ድሕሪ ናጽነት ምዕራፍ፡ ደሞክራሲ፡ ልዕልና ህዝቢ፡ ሰላምን ዕቤት ክስጉም ስለ ዘይክእል ንድሕሪት እንዳጠመተን ሕሩስ እንዳሓረሰን ኣብ ሕሉፍ መዋእልዩ ዝነብር ዘሎ።

ጉጅለ ህግደፍ እቲ ሓቀኛ ፍቕሩ ምስቲ ዝሓለፈ ጥራይ ኮይኑ፡ ኣብ ከምዚ ዓመታዊ ዝኽሪ ናጽነት ኮይኑ ዝኣትዎ ግና ዘይትግብሮ መብጸዓታት’ውን የስምዕ እዩ። ብዛዕባ ሰላም፡ ደሞክራስን ልምዓትን ደጊኡ ጥዑይ ዝመስል ውሽጡ ግና ብመዓር ዝተላዕጠጠ ዕረ ሓረጋት ምቅላሕ እውን የዘውትር። እዚ ኩሉ ተደሚሩ ግና ነቲ እንዳተዓሻሸኻን እንዳፈራራሕካን ኣብ ስልጣን ናይ ምንባር ሕልሙ ጥራይ ዘንጸባርቕ እዩ።

ከምቲ ዝኾነ ተረኽቦ መጀመርታን መወዳእታን ዘለዎ ኣብዚ እዋንዚ መወዳእታ ዕድመ ህግደፍ ይቀራረብ ከም ዘሎ ዘመልክቱ ተርእዮታት ብዙሓት እዮም። ህዝቢ ኤርትራ እምነቱ ካብቲ ጉጅለ ጸንቂቑ እዩ። ዋልታን ሴፍን ኮይኑ ስልጣኑ ክሕልወሉ ዝጽበዮ ዝነበረ ወተሃደር ኤርትራ ኢዱ የልዕል ኣሎ። ብዘይ ክፍሊትን ናይ ግዜ ደረትን ብጉልበቱ ካዝንኡ ክመልኣሉ ዝተጸበዮ መንእሰይ ከምቲ ዝደለዮ ኣይኮነሉን። ኣብቲ ውሱን ጉጅለኡ ድማ ረብሓን ምጥፍፋእን ዝወለዶ ምፍሕፋሕ ሰማይ ይዓርግ ኣሎ። ወጻኢ ካብ ኤርትራ ደንበ ህግደፍ እንዳ ቆረረ ደንበ ሓይልታት ለውጢ ይመውቕ ኣሎ። ናይ ርሑቕን ናይ ቀረባን ሓይልታት ግዳም ህግደፍ ናብ ልቡ ክምለስ ዝነበሮም ትጽቢት ቅሂሙ እዩ።

ኩነታት ከምዚ ኣቐዲሙ እንዳሃለወ፡ ጠንቂ ናይዚ ኣብ ዝሓለፈ 26 ዓመታት ድሕሪ ናጽነት ኣብ ኤርትራ ወሪዱ ዘሎ መከራ ብግቡእ ክርድኡ ዝተጸገሙ ወገናት ኣይተሳእኑን። ከም ውጽኢት ናይዚ ድማ ናጻ ሃገር ስለ ዝወነና ኢና ኣብ ከምዚ ወዲቕና ዘለና። ንናጽነት ምቅላስና ጐዲኡና እምበር እንታይ ጠቒሙና። ዝኣመሰሉ ምድንጋር ዝወለዶም ሓሳባትን ዘይብሱል መፍትሕታትን በጨቕ ክብሉ ምስማዕ ልሙድ ኮይኑ ኣሎ። ነዚ ተጠዓሲ ሓሳባት ዘንጸባርቑ ወገናት ሰኣን ምፍልጦም እንተኾይኑ ኣብ መስርሕ ቃልሲ ናብ ግቡእ ቦታኡ ዝምለስ እዩ። ኮነ ኢልካ ነቲ ብክቡር መስዋእትን መሪር ቃልስን ዝተረጋገጸ መበል 26 ዓመቱ ንዝክሮ ዘለና ናጽነት ኤርትራ ንምዕጻፍ ዝተማህዘ ተንኮል እንተኾይኑ ግና ምዉት ከተተንስእ ካብ ምፍታን ሓሊፉ ካልእ ክኸውን ኣይክእልን እዩ። እንተ ንሕና ናጽነትና ንጠዓሰሉ ዘይኮነ፡ እንሕበነሉ’ዩ።

መበል 26 ዓመት ናጽነት ክንዝክር እንከለና ማእከላይ ጠመተና ሕሉፍ ምዝንታውን ህልዊ ጸገማትና ምዝርዛር ዘይኮነ “እሞኸ ካብዚ ንምውጻእ እንታይ ንግበር?” ናብ ዝብል ምምዕዳው እዩ። ጸገምና እንታይ ምዃኑ ብሩህ ስለ ዘሎ እንታይ ክንገብር ከም ዝግበኣና እውን ዝስወረና ኣይኮነን። እቲ ዝተርፍ እቲ ክንገብሮ ዝግበኣናን ንብህጎን ክንገብር ቅሩባት ክንከውን ምብቃዕን ዘይምብቃዕን እዩ። ሎሚ ከም ናይ ለውጢ ሓይልታት ቃልስና ድርብ እዩ። ምናልባት’ውን ድርብርብ። በቲ ሓደ ወገን ኣንጻር ጉጅለ ህግደፍ በቲ ካልእ ድማ ኣንጻር ክሳብ ሕጂ ዘየዕወተ ኣተሓሳስባና። እቲ ቀንድን ቀዳምነት ዝሕዝን ከኣ እቲ ድሑር ኣተሓሳስባና ስዒርና ኣንጻር ጉጅለ ህግደፍ ተቓሊስና እንዕወተሉ ኩነታት ምፍጣር እዩ። እዚ ዕማምዚ ብባህሪኡ ኮነ ብኣቀማምጣ ናይ ሓደ ኣካል ዘይኮነ ናይ ኩልና ኣብ ስዕረት እቲ ጉጅለ እምነትን ረብሓን ዘለና ሰልፍታት፡ ውድባት፡ ማሕበራትን ግዱሳትን እዩ።

እቲ ቀንዲ ተዋሳኢ ኣብ ቃልሲ ምርግጋጽ ናጽነት ህዝቢ ኤርትራ እዩ ነይሩ። እቲ ቀንዲ ፍረ ናጽነት ዝተነፍጎ ከኣ እነሆ ህዝቢ ኤርትራ እዩ። እቲ ኣብዚ ነካይዶ ዘለና ቃልሲ ቀንዲ ናይ ለውጢ ሓይሊ ከኣ ህዝቢ ኤርትራ እዩ። እቲ ናይ ካለኦት ወገናት ኣበርክቶ ድሕሪ ግደ ህዝቢ ኤርትራ ዝስራዕ እዩ። ህዝቢ ኤርትራ ብተግባራት ጉጅለ ህግደፍ ኣይተሓጐሰን ጥራይ ዘይኮነ ቅሒሩ እዩ። ኣባና ኣብቶም ናይ ለውጢ ሓይልታት እውን ሕጉስ ከምዘይኮነ ተኣሚንና፡ ህዝብና እምነቱ ኣባና ከም ዘሕድስ ክንገብር ኣብ ቅድሜና ዘሎ ዓብይ ዕማም’ዩ። ስለዚ ኣብ መጻኢ ኩሉ ክኢልና ብሓባር ክንሰርሕ ክንበቅዕ ኣብዚ ታሪኻዊ ኣጋጣሚ ዝኽሪ ናጽነት ቃልና ነሕድስ።

ናጽነትና ንጠዓሰሉ ዘይኮነ፡ እንሕበነሉ’ዩ
ክብርን ዝኽርን ንሰማእታት ኤርትራ

24 ጉንበት 2017

Last modified on Tuesday, 23 May 2017 23:23