ቃለ መጠይቕ ምስ ብጻይ ተኽለ መለኪን ኣባል ማ/ባይቶ ሰዲህኤ ብምኽንያት መበል 26 ዝኽሪ ናጽነት ኤርትራ

2017-05-22 10:49:56 Written by  ቤት ጽሕፈት ዜና ሰዲህኤ Published in EPDP News Read 3730 times

Interview Melekin 22.05ኣቐዲመ በዚ ናይ መበል 26 ዓመት ናጽነት ኤርትራ ዝዝከረሉ ዕለት፣ ንመላእ ህዝቢ ኤርትራ ዮሃና ብምባል ክጅምር እፈቱ። ህዝቢ ኤርትራ ድማ ንኩሉ ጸገማቱ ስዒሩ ብሰላም ብልጽግናን ኩርዓትን ክነብር ክኽእል ዝለዓለ ትምኒተይ ኢዩ።

ንክፍሊ ዜና ሰልፊ ዲሞክራሲ ህዝቢ ኤርትራ ድማ፥ ነዚ ቃለ መጠይቕ ንክምልሽ ኣብዛ ዓባይ ታሪኻዊት ዕለት ነዚ ዕድልዚ ምሃብኩም ክብሪ ይስምዓኒ፥ ኣዝየ ድማ የመስግን።

ንሓርነት፡ ግደ ህዝቢ ኤርትራ ኣብ ምርግጋጽ ናጽነት ብኸመይ ትገልጾ?

ብጻይ ተኽለ መለኪን፡ ህዝቢ ኤርትራ ብንግሆኡ ንናጽነቱ ብዝምልከት ሓሳባቱ ክገልጽን ተወዲቡ ክቃለስን ዝተራእዬ ህዝቢ ኢዩ። ብፍላይ ድማ ኣብ ድሮ መግዛእቲ ኢትዮጵያ ንዝነበረ ምንቅስቓሳት ተመሊስና ክንርኢ እንተኾና፡ እተን ኣቐዲመን ዝተፈጥራ ውድባት ምንባረን ጥራይ ዘይኮነስ፡ ሰፊሕን ጽፉፍን ዝኾነ፡ ካብ ኤርትራ ሓሊፉ ኣብ ጎረባብቲ ሃገራት ዝነብሩ ዝነበሩ ኤርትራውያን ከይተረፈ ዘጠቓለለ ውደባ ዘካየደ ብማሕበር ሸውዓተ ዝፍለጥ (ሓርነታዊ ኤርትራዊ ምንቅስቓስ) ከም ዝነበረ ዝፍለጥ ኢዩ። ስዒቡ ድማ ብረታዊ ቃልሲ ንምጅማር ዝተወስደ ስጉምትን፣ ናይቶም ኣብ ሱዳን ዝነበሩ ወተሃደራት ተባዕ ውሳነታትን፣ ኣብ ምጅማር ብረታዊ ቃልሲ ኣብ ጥራይ ጎልጎል፡ ዝጠቅም ዓይነትን ብዝሕን ብረት ከይወነኑ ክንሶም ኣንጻር ሓደ ሓያል መንግስቲ (ኢትዮጵያ) ምብጋሶም ዘስተንክርን ዘኹርዕን ታሪኽ ህዝቢ ኤርትራ ኢዩ። ነዞም ጀጋኑ ጀመርቲ ብረታዊ ቃልሲ፣ ንገሊኦም ዘርከብናሎምን ኣብ ጎድኖም ክንቃለስ ዕድል ዝረኸብናን፡ ክሳብ ክንደይ ሰብ ዓቢ ጅግንነትን ታሪኽን ምንባሮምን ምዃኖምን ከየስተማቐርና፤ ዝግብኦም ምስጋናን ሞጎስን ኣድናቖትን ከየስማዕናዮም ዝሓለፍና ብዙሓት ኢና። (ኣብ ኢድካ ዘሎ ወርቂ ክንዲ ነሓስ ከም ዝበሃል)። ብወገነይ ሎሚ ክዝክሮ እንከለኹ፣ የጣዕሰኒ፡ የግሁየኒ፡ ክሳብ ክንደይ ብስለት ይጎድለኒ ከም ዝነበረ’ውን የዘኻኽረኒ። ህዝቢ ኤርትራ ወትሩ ክዝክሮም ዝግባእ ታሪኻውያን ድማ ኢዮም። ብፍላይኣብ ከም ሎሚ፡ ዕለት ናጽነት፡ ንሳቶምን ኩሎም ድሕሪም ዝሰዓቡ ስዉኣትን ስንኩላትን ዝዝከሩሉ ዕለት ስለዝኾነ።

ህዝቢ ዘይሰዓቦን ዘይደገፎን ቃልሲ ክዕወት ዘይምኽኣሉ ጥራሕ ዘይኮነስ፡ ሰውራ ተባሂሉ እውን ክስመ ኣይክእልን ኢዩ። ኣብ ሜዳ ብረት ሒዙ ዝቃለስ ዝነበረ ኩሉ እውን ናይ ህዝቢ ደገፍን ተሳትፎን ምስማዕ ኣብ ቃልሱ ከም ነዳዲ (በንዚን) ዘንህሮን ዘሐይሎን ኢዩ ነይሩ ክብል እደፍር። ንተጋዳላይ ኣብቲ ሒዝዎ ዝነበረ ተግባርን ዕላማን ንክጸንዕን፡ ብዝለዓለ ንክውፈን ዝገብሮ እውን ደገፍን ትጽቢትን ህዝቡ ኢዩ ነይሩ።

ህዝቢ ኤርትራ ንካብ ጸላኢ ክበጽሖ ዝኽእል ሓደጋታት እንዳፈለጠ፡ ንተጋደልቲ ዋላ ካብ ዘይብሉ መጊቡን ኩነታት ጸላኢ ሓቢሩን ኣብ ጊዜ ውግኣት ተደለይቲ ነገራት ኣብ ምቕባል ተሓባቢሩን፡ ከም ሚሊሻ ኮይኑ ናይ ቦትኡ ጸጥታ ሓልዩን ኣብ ውግኣት’ውን ተሳቲፉን፥ ገንዘቡን ንብረቱን ብምውፋይ ኣተባቢዑን ኢዩ ንቃልሱ ኣብ ዓወት ዘብጽሐ። ህዝቢ ኤርትራ፤ ጓልን ወድን፡ ንእሽቶን ዓብን ዝተሳተፎ፡ ንካብኡ ብዝተዓጻጸፈን ዝዓብዮን ዝሕይልን መንግስቲ ዝሰዓረ ሓደ ካብተን ኣብ ዓለም ዝድነቓ ሰውራታት ኮይኑ ኢዩ።

ንሓርነት፡ እቲ ነዊሕ ጉዕዞ ናጽነት መሪር ነይሩ ክንብል እንከለና፥ እቲ ምረቱ ብኸመይ ይግለጽ?

ብጻይ ተኽለ መለኪን፡ እወ፣ ብሓቂ ቃልሲ ህዝቢ ኤርትራ ነዊሕን መሪርን ኢዩ ነይሩ፤ ከም ስሙ ቃልሲ ስለዝኾነ ጥራሕ ዘይኮነስ፡ ኤርትራዊ ቃልሲ ናቱ ባህርያትን ትሕዝቶታትን ስለዘለዎ ድማ ኢዩ። ሰውራታት ነናተን እወንታውን ከምኡውን ዘደናጒን ዝዕንቅፍን ኣሉታዊ ትሕዝቶታትን ክህልወን ይኽእል፡ ሰውራና”ውን ኣብ ዓወት ቅድሚ ምብጽሑ ናቱ ጸገማት ነይርዎ ኢዩ።

ብቐዳምነት እቲ ንኤርትራ ገዚኡ ዝነበረ መንግስቲ ብብዝሒ ህዝብን ብወተሃደራዊ ዓቕሙን ካብቶም ኣብ ኣፍሪቃና ሓያላት ዝበሃሉ ዝነበሩ ሓደ ምንባሩ ኢዩ። ኣብ ኣጀማምራ ሰውራ እውን ንገለ ኤሪትራውያን ዘይከኣል ዕማም ዝመስሎም ኮይኑ ይርኣዮም ከምዝነበረ ካብ ሃንደበታት ውልቀሰባት ዝወጽእ ዝነበረ ኢዩ። እዚ ግን ምስ ጊዜ፡ ብሓደ ሸነኽ ሳላ ዕዙዝ ዝኾነ ተሳፍነት ህዝብን ጅግንነትን መስዋእትን ፡ ብካልእ ሸነኽ ድማ ሳላ ኣብ ውሽጢ ኢትዮጵያ በብእዋኑ ንሰውራ ዝምችእ ኩነታት ምፍጣሩን፡ ክሕለፍን ኣብ ዓወት ክብፅጻሕን ተኻኢሉ ኢዩ። ኮይኑ ግን ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ኤርትራ ኣዝዩ ጨካንን ግፍዓውን ተግባራት ይፍጸም ብምንባሩ፡ ብዙሓት ኤርትራውያን ካብ ዓድታቶምን ሃገሮምን ርሒቖም ክነብሩን ክብሪ ዘይብሉ ናብራ ከሕሉፍን ተገዲዶም ኢዮም። ብፍላይ ኣብ ሱዳን ካብ ፍርቂ ሚልዮን ንላዕሊ ኤርትራውያን ተሰዲዶም ከም ዝነብሩ (ገሊኣቶም ጌና ሕጂውን ናብ ሃገሮም ከም ዘይተመለሱ) ይፍለጥ።

ናይ ኤርትራ ኣብ ትሕቲ መግዛእቲ ኢትዮጵያ ምእታው፡ ብድልየት ህዝቢ ኤርትራ ዘይኮነስ፣ ኣህጉራውያን ሓያላት መንግስትታት ኢደን ዘእተዋሉ ብምንባሩ፡ ንጥርዓን ኤርትራውያን ይኹን ንቃልሲ መደንፍዒ ሓገዝ ንምርካብ ዝድግፍ ወይ’ውን ዝሰምዕ እዝኒ ኣይነበረን። ስለዝኾነ ድማ ኤርትራ ካብቶም ኣብቲ እዋን’ቲ ንቃልሲ ህዝቢ ኤርትራ ከም ኣካል ናይ ቃልሶም ገይሮም ዝርእይዎ ዝነበሩን፡ ኣንጻር’ቶም ንኤርትራ ምስ ኢትዮጵያ ንክትቁረን ዝገበሩን ሃገራት ይቃለሱ ዝነበሩን ገለ ሃገራት ኣዕራብ ሓገዝን ደገፍን ክርከብ ተኻእለ። ንቃልሲ ህዝቢ ኤርትራ ድማ፡ ብፍላይ ብብረታዊ ዓቕሚ ድልየታቱ ከማልእን ኣድማዒ ስርሒታት ከካይድን ሓጊዝዎ ኢዩ። እንተ ዕላዊ ደገፍ ሓያላት ሃገራት ክሳብቲ ሃገርና ናጻ ዝኾነትሉ ሰዓት ብኹር ኢዩ ነይሩ፡ እዚውን ሓደ ካብቶም ንናጽነት ዘደናጎየን፡ ዝያዳ ወጽዓ ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ኤርትራ ከም ዝወርድ ዝገበርን ኢዩ ኢልካ ኣብ ጸብጻብ ተእትዎ ሓቂ ኢዩ።

ህዝቢ አርትራ ብቋንቋታቱ፡ ባህልታቱን ልማዳቱን ዓለታቱን እምነታቱን ብዝሒ ዘለዎ ሃብታም ሕብረተሰብ ኢዩ። ብሓባር ኣብ ትሕቲ ባዕድነት ዝነበረን፡ ብሓባር ሃገር ዝሃነጸን ናይ ኤርትራዊ ሃገርነትን መንነትን ዘማዕበለን ህዝቢ ኢዩ። ኮይኑ ግን እዚ ተውህቦታት’ዚ ብጸላእትን ብውሽጣዊ ናይ ስልጣን ተወዳደርትን፣ ከም መሳርሒ መፈላለይን ናይ ሕድሕድ መጠራጥሪን ኮይኑ ክስረሓሉ ከም ዝጸንሐ ይፍለጥ። ንኣብነት ኣብቲ ቅድሚ ፈደረሽን ዝነበረ ምንቅስቓሳት፡ ብሸነኽ ኢትዮጵያ ዝነበረ ሜላ ንሃይማኖት ዘመልክት ምንባሩ ይፍለጥ። ኣብ ጊዜ ሰውራ እውን ኣብ ዝተፈላለየ እዋናት ናይ ሃይማኖት ናይ ኣውራጃታት ከምኡውን ቋንቋታት ሽግራት በለቕ ይብል ምንባሩን፡ ኣብ ታሪኽ ሰውራ ኣሰራት ምግዳፉን ግሁድ ኢዩ። እዚውን ብወገኑ ንጥርኑፍ ቃልሲ ዕንቅፋት ኮይኑ ከብቅዕ ከም ውጽኢቱ ውድባት ሰውራ ኤርትራ ንክበዝሓ ካብ ዝገበረ ምኽንያታት ሓደ ኢዩ ክበሃል ይከኣል።

ኣብ ልዕሊ’ዚ ድማ እቲ ብዙሕ ዘይዝረበሉ፡ ግን ድማ ኣብ ጸገማት ሰውራ ዓቢ እጃም ክህልዎ ዝኽል ክዝከር ዝግብኦ ጉዳይ ኣሎ። ኣብ ላዕሊ ነቲ ብግሉጽ ዝርአ ዝነበረ መርገጽ ሓያላን መንግስታት ጠቒሰ ነይረ፡ ኮይኑ ግን ብምስጢር ምስ (ናጽነት ኤርትራ ዘይድግፉ) ጸላእትን ምስ ገለ ካብ ሓያላን መንግስታትን ዝግበር ዝነበረ ርክባት፡ ኣብ ኤርትራ ብዝኾነ ይኹን መንግድን ሜላን ሰላምን ሓቢርካ ምስራሕን ሓድነትን ከምዘይህሉ ገይርዎ ከም ዝነበረን ከም ዘሎን ምጥቃስ’ውን ኣገዳሲ ኮይኑ ይስምዓኒ። ኣጋጣሚ ኮይኑ ኣብ ሓንቲ ብናይ ስትራተጂ ዓለም (መጎዓዓዝያ፡ ንግዲ፡ ውግእ) ኣዝዩ ኣገዳሲ ዝኾነ ዞና ኢያ ኤርትራና እትርከብ። እዚ ስለዝኾነ ድማ ኩሉ ሓይልን ሃብትን ኣለኒ ዝብል መንግስቲ ኣብ ሃገራት ቀይሕ ባሕሪ ከተኩር ግድነት ስለዝኾነ፡ ኣብ ኤርትራ ከተኩር ግድነት ኢዩ፡ ንቃልስና ከንውሕዎን ከምርርዎን ካብ ዝኸኣሉ ኣገደስቲ ረቛሕቲ ድማ ኢዩ ነይሩ። ንዓና ንኤሪትራውያን ጥራይ ዘይኮነስ ንኹሉ ዞናና ዘይህዱእ ዝገብር ጉዳይ ኢዩ።

ንቃልሲ ህዝቢ ኤርትራ ካብ ዘናውሑ ቀንዲ ረቛሕቲ እቲ እናሻዕ ዝተርእየ ናይ ሕድሕድ ውግኣትን፡ ሓቢርካ ኣንጻር ጸላኢኻ ምምካት ስለዘይተኽእለ ኢዩ ነይሩ። እዚ ጸገም’ዚ ሕጂውን 26 ዓመታት ድሕሪ ናጽነት ዝቕጽል ዘሎ ምዃኑ ዓይኒ ንዘለዎ ብሩህ ኢዩ። ምፍንጫላትን ሃገሮም ናጻ ንምውጻእ ዕላምኦም ዝነበረ ብዙሓት ንጹሃት ተጋደልቲ ዘጥፍአ ናይ ሕድሕድ ውግኣትን እንተዘይነብር፣ ኤርትራ ካብቲ ናጻ ዝወጸትሉ ዓመት ኣዝዩ ኣቐዲሙ ናጻ ንክትወጽእ፣ ብርእይቶይ ሰለስተ ጊዜ ዝኸውን ዕድላት ሓሊፍዋ ኢዩ (1975, 1977, 1980).

ኣብዛ ዕለት ክንዝክሮ ዝግብኣና፣ እቲ ኩሉ ብሰንኪ መግዛኣትን፡ ባዕላትና ከም ኤርትራውያን ብዝወሰድናዮ ግጉይ ናይ ፍታሓት ኣገብባትን ዝጠፍአ ህይወታትን ዝበረሰ ንብረታትን ፋሕ ብትን ዝኣትዎ ስድራቤታትን፣ ድሒሩ እውን ብሰንኪ ምልካዊ መንግስቲ ኣብ ልዕሊ ደቂ ሃገር ዝወረደን ዝወርድ ዘሎን ግፍዕታትን ኣብ ፈቐዶ ኣብያተ- ማእሰርቲ ተኣኲቶም ዘለዉ ናይ መሰል ደቂ ሰብ ተማጐትን ካልኦት ንጹሃት ደቂ ሃገርን ኢዮም። ከምኡውን ንኩሉ ኤሪትራዊ ኣብ ሃገሩ ሰላምን ፍትሕን ምዕማለን ንክርኢ ኢድንኢድ ተተሓሒዙ ብምቅላስ ዕድመ ዲክታቶርያዊ ስርዓት ከሕጽር መጸዋዕታ ክቐርበሉ ዝመችአ ኣጋጣሚ ኢዩ።

ንሓርነት፡ ህዝቢ ኤርትራ ናይቲ ዋጋ ከፊሉ ዘረጋገጾ ናጽነት ተጠቃሚ ኣይኮነን እንብል እንታይ ስለ ዝጎደሎ ኢዩ?

ብጻይ ተኽለ መለኪን፡ ኤርትራ ሳላ ባዕድነት፣ ርእሰማላዊ ኣገባብን ስርዓትን ኣፈራርያ ማእቶትን ኣቕድም ኣቢሉ ዝኣተዋ ሃገር ኢያ። ኣብ ጊዜ መግዛኣቲ ጥልያን ኣብያተ ዕዮ ኣስፋሕፊሑ ነበረ፡ ኤርትራውያን ድማ ኣብ ብዙሕ ኢደ ጥበባዊ ስርሓትን ተክኒክን ክምዕብሉን ገለ እውን ናይ ውልቆም ትካላት ዘቖሙ ነበሩ። ኣብ ጊዜ መግዛእቲ ኢትዮጵያ’ውን እንተኾነ፡ ነቲ ኣብ ኤርትራ ጀሚሩ ዝነበረ ርእሰማላዊ ግስጋሰ ቆጽዩዎ ኢዩ፡ ኩሉ ኣተኩሮ ኣብ ኢትቶጵያ እዩ ኮይኑ’ኳ እንተተባህለ፡ ሰራሕተኛታትን ክኢላታትን ኤርትራውያን ንኢትዮጵያ ብምስጋር ኣብ ምዕባለ ናይታ ሃገር ዓቢይ ኣጃም ኣብርኪቶም ኢዮም። ኣብ ብዙሕ መዳያት ድማ ዕዉታት ኮይኖም ዝነበሩ ኤርትራውያን ኣዝዮም ብዙሓት ኢዮም ነይሮም። ኮይኑ ግን ኤርትራውያን ነቲ ኣብ ዓዲ ጓና ዘጥረይዎ ሃብትን ንብረትን ኣብ ሃገሮም ክኸውን ትምኒቶም ብምንባሩ፡ ኣብቲ ዝተኻየደ ቃልሲ ዝተሳተፉን ዝሓገዙን ውሑዳት ኣይኮኑን።

ድሕሪ ናጽነት ድማ ኤርትራውያን ልቦምን ቀልቦምን ምስ ኤርትራ ኮነ፣ ካብ ናይ ገዝእ ርእሶም ጥቕሚ : ብዝያዳ ነቲ ኣብ ኤርትራ ትካል ከፊትካ ኣብ ምዕባለኣ ግደኻ ምልዓልን፡ ከም ክብርን ምስጋናን ነቶም ዝተሰውኡን ብጅግንነት ናጻ ዘውጽኡን ዝሓሰቡ ውሑዳት ኣይኮኑን። ውጽኢቱ ግን ነዞም ሃገራውያን ገንዘቦምን ሕልንኦምን ኣብሪስካ ናብ ዘዝመጽዎ ከምዝምለሱ ምግባር ኢዩ ነይሩ። እቲ ገንዘብ ኣብ ስልጣን ጽልዋ ከምዝህልዎ ኣጸቢቑ ዝርዳእ መላኺ፡ ነቶም ናይ ምዕባለ ርእሰ ኲናት ዝኾኑ ሃገራውያን ርእሰማላውያን ኩሉ መንገዲታትን ኣኽእሎታትን ዓጸወሎም። ኩሉ ኣብ ትሕቲ መንግስቲ ኣተወ፡ ወላውን ደቂ ሰባት ንብረት መንግስቲ ኮኑ። ውጽኢቱ ድማ ብዘይ ኣገልጋልን ጊላን መንግስቲ ምዃን ጥዑይ ስራሕን ደመወዝን እትረኽበሉን ብሕታዊ ትካላት ዘይብሉ፡ ኣብ ናይ ድኽነት ዕንክሊል ተኣትወ። ነቲ ብባህርያቱ ኣንጻር መንግስቲ ክለዓል ትጽቢት ዝግበረሉ ተመሃራይን ሰራሕተኛን ካብ ከባቢ ርእሰ ከተማ (ኣስመራ) ብምርሓቕ ኣብ ምስ ህዝቢ ክራኸብ ዘይክእለሉ ስፍራታት ፋሕ ኣበሎ። ውጽኢቱ ድማ ህዝቢ ካብቲ ቅድሚ ናጽነት ዝነበረ ናይ መንፈስ ትሕትነት ከምኡ’ውን ናይ ናጻ ስራሕ ምድላይን ምፍጣርን ንታሕቲ ዘንቆልቁል ኮይኑ ንረኽቦ።

ኤርትራዊ ጻማ ቃልሲ ኣይረኸበን። መጀመርታ ብቃልሱ፣ ድሕሪ ምምጻእ ናጽነት ድማ ንኣዋርሕ ዘየቋርጽ ፈስታታት ዝገበረ፡ ዘመስገነ፡ ዝተመባጽዐ ኣብ ሃገር ዘሎ ኤርትራዊ፡ ነታ ዕለት ናጽነት ሎሚ ብኸመይ ከምዝገልጻ ምስማዕ ኣገዳሲ ምኾነ። ነዚ መበልየይ፡ ናጽነት ኣለኒ ንክትብል ናጽነት ክስመዓካን ክህልወካን ስለዘለዎ። ብዝተረፈ ናጽነት ባዕሉ ዘጽግበካን ዝኸድነካን ስድራኻ ዝኣልየልካን ቃል ስለዘይኮነ። ህዝቢ ኤርትራ ንዝገብሮ ኩሉ ተኣማሚኑ ንከይገብር፡ ዝምርሓሉን ዝውከሰሉን ንገዛእ ርእሱ ውሕስነት ተሰሚዕዎ ንክምዕብል ክነብርን ዘተኣማምን ሃገራዊ ቅዋም የብሉን። ዝደልዮምን ድልየታቱ ከማልእሉ ዝጽበዮምን መራሕቲ ከይመርጸ እነሆ ሎሚ መበል 26 ዓመቱ መሊኡ። ከምቲ ልሙድ ደቁ ሓቚፉን ምሂሩን ኣምሂሩን ኣብ ዝብጻሕ ደረጃ ከየብጽሕን ብደቁ ተሓጊዙ ናብርኡ ከየመሓይሽን፡ ደቁ ንብረት መንግስቲ ኮይኖም፡ ኣተሓሳስባ መንግስቲ ተማሂሮም ፍረ ዘይብሎም ኮይኖም ኣለዉ። እቲ ዝኸፍአ ድማ መንእሰያት ብኣንጸርጽሮት፡ ዘጋጥመ የጋጥመና ብምባል ካብ ሃገር ክጠፍኡን ክስደዱን ብመከራን ስቓይን ሓሊፎም (ዕድለኛታት ምስ ዝኾኑ) ኣብ ፈቐዶ ሃገር ፋሕ ምባሎም ኢዩ። ኩነታት ህዝብና ከመይ ከምዝመስል ድማ በዚ ዝተጠቕሰ ክንግምት ንኽእል።

ንሓርነት፡ ድሕሪ 26 ዓመታት ኣብ ናጽነት፥ ህልዊ ዝምድና ህዝቢ ኤርትራን ጉጅለ ህግድፍን ብኸመይ ትገልጾ?

ብጻይ ተኽለ መለኪን፡ ህግድፍ ብህዝቢ ዝተመርጸ ሰልፊ ስለዘይኮነ ምስ ህዝቢ ክህልዎ ዝኽእል ዝምድና ናይ ኣዛዝን ተኣዛዝን፡ ረጋጽን ተረጋጽን ጥራሕ ኢዩ ክኸውን ዝኽእል። ብህዝቢ ክፍቶን ካብ ህዝቢ ደገፍ ክረክብን ድማ ዘይግመት ኢዩ። ህዝቢ ብጭካኔ ህግድፍ ስለ ዝረዓደ፡ ምቅዋም ገዲፍና፡ ድልየቱ ክዛረብ ኣብዘይክእለሉ ደረጃ ኢዩ ዝርከብ። ውጽኢት ናይ ከምዚ ዝበለ ስርዓት ድማ እዚ ወግሐ ጸብሐ ንሰምዖን ንርእዮን ዘለና ዘስካሕክሕ ጉዕዞ ስደት ኢዩ። ብዝሒ ስደተይና ኣብ ኤርትራ ቅድሚ ሕጂ ዘይተራእየ ክኸውን እንከሎ፡ ዓለም ከይተረፈ ኣብ ካልኣይን ሳልሳይን ደረጃታት ክሰርዖ ከም ዝጸንሐ ኣብ ማዕከናት ዜና ንሰምዖ ዘለና ኢዩ።

ሃገር ናጻ ምውጻእ ማለት ንሃገርካ ኣብ ካርታ ዓለም ተሳኢላ ምርኣይ ጥራይ ኣይኮነን፣ እንታይ ድኣ፡ ህዝቢ ሕገመንግስቱ ኣቚሙ ካብ ደቂ ሃገሩ (ባዕሉ) ሃገሩ ክመርሕ፡ ደቁ ክምህር፡ ናይ ሕክምና ኣገልግሎት ክረክብ፡ ሃገሩ ከማዕብልን ፍርያት ሃገሩ ናብ ዕዳጋ ብምቕራብ ክወዳደርን፡ ርእሰማሉ ተጠቒሙ ትካላት ክምስርት፡ ብሰላም ስራሑ ሰሪሑ ገዝኡ ክኣቱ፡ ሓሳባቱ ክዛረብን ክጽሕፍን፡ ምስ ዓለምን ጎረባብቱን ዓለምለኻዊ ሕግታትን ስምምዓትን ብምኽባር ብምክብባር ክነብርን፡ ብዘይዕንቅፋት ካብ ዓዲ ክወጽእን ናብ ዓዱ ክምለስን …. ወዘተ ገለ ካብ መስረታውያን ቅድመኩነታት ኢየን።

ካብ ናጽነት ኣትሒዙ ክሳብ ሕጂ ኤርትራ፤

26 ዓመታት ናይ ውግእ ሃዋህው ዘንጸላለዋ
26 ዓመታት ሕገ መንግስቲ (መንግስታዊ ቅዋም) ዘይብላ
26 ዓመታት ህዝቢ ህዝቢ ኤርትራ ዲሞክራሲ ከይረኣየን ዝደልዮ መራሒ ወይ ሰልፊ ከይመረጸ
26 ዓመታት መን ተኣስረ መን ተቐትለ ጥራሕ ትሰምዓሉ፡ ዝተኣስረ ምህላዉን ምማቱን ዘይፍለጠሉ፣ እሱር ዘይብጸሓሉ
26 ዓመታት ንህዝቢ ኤርትራ ንምንጻል ብዝካየድ ንተቓወምትን ጎረባብትን ዘጸልም ፕሮፓጋንዳታት ንህዝቢ ዘጽመመ
26 ዓመታት ንክእለታት፡ ርእሰማላትን ብቕዓታትን ኤርትርውያን ዓጊቱ ባዕሉ ንኩሉ ዝወነነ መንግስቲ
26 ዓመታት ሕቶ ህዝባዊ ኣገልግሎታት፡ ከም ማይን አለክትሪሲቲን (መብራህትን) ዘይፈትሐ መንግስቲ
26 ዓመታት ጥዑይ ናይ ሕክምና ኣገልግሎት ዘይብሉ፥ ኤርትራዊ ኣብ ጎረበት ሃገር ከይዱ ጥዑይ ሕክምና ዘናድየሉ ኮይና ኣላ።

ኣብ ከምዚ ዝበለ ኩነታት፥ ህዝቢ ብሰንኪ ምርዓዱ ክቃወምን “ሃህ” ኢሉ ክዛረብን`ኳ ዕድል እንተዘይረኸበ፥ ንምልካዊ ስርዓት ብመርገጽ ክቃወሞ ባህርያዊ ኢዩ።

ንሓርነት፡ ኣፍና መሊእና ”ቃልስና ምእንቲ ናጽነት ፍትሓዊ፥ መስዋእትነት ጀጋኑና ከኣ ክቡር ነይሩን ኢዩን” ከብሉና ካብ ዝኽእሉ ነጥብታት ንኣብነት እንታይ ትጠቅስ?

ብጻይ ተኽለ መለኪን፡ ቃልሲ፡ ስለ ቃልሲ ትቃለሶ ዘይኮነስ መበገሲ ምኽንያት ዘለዎ ከምዝኾነ ዝጠፍኦ ዘሎ ኣይመስለንን። ህዝቢ ኤርትራ ድማ ፖለቲካዊ ይኹን ብረታዊ ቃልስታት ከካይድ እንከሎ: ብቑዕ መበገሲ ምኽንያት ነይርዎ ኢዩ። ንክቃለስ ዘገደዶ ድማ ብቐዳምነት፡ ኤርትራ ኣብ ትሕቲ ጥልያን ዳርጋ ን60 ዓመታት ዝኣክል ድሕሪ ምጽንሓ፡ ጥልያን ብእንግሊዝ ተሳዒሩ ከብቅዕ፡ ኢትዮጵያ ናጽነታ ክትረክብ እንከላ፡ ኤርትራ ግን ኣብ ትሕቲ ሞግዚትነት እንግሊዝ ን10 ዓመታት ክትካየድ ዝተገብረ ውሳነ፡ ሓደን ቀዳማይን ንጉዳይ ኤርትራ ሓንኳል መገዲ ከም ዝሕዝ ዝገበረ ውሳነ ኢዩ ነይሩ። ኣብቲ እዋን’ቲ ኤርትራ ናጽነታ ክትረክብ ይግብኣ ነይሩ። መንቀሊ ናይ’ዚ ድማ ናይ ኢትዮጵያ ንኤርትራ ኣብ ትሕቲኣ ናይ ምእታው ጠለባትን፣ ናይ’ቶም ምስኣ ጽኑዕ ምሕዝነት ፈጢሮም ዝነበሩ ሓያላን ምዕራባውያን ሃገራት ንኢትዮጵያ ብምድጋፍ ድልየታቶም ከረጋግጹ ዝነበሮም ትምኒታትን ነበረ።

ኣስዒቡ ድማ ንኤርትራ ኣብ ሞንጎ ናፅነትን ምስ ኢትዮጵያ ”ምጽንባርን” ዝብል፡ ንጉዳይን መሰልን ኤርትራን ኤርትራውያንን ኣብ ዘይግባእ ዕንክሊል ዘእቱ መስርሕ ተኣትወ። ንኤርትራውያን ብዓሌትን ሃይማኖትን ንምክፍፋል ዝተገብረ ጻዕርታት እውን ገለ ኣሉታዊ ኣሰራት ከምዝገድፍ ኮይኑ ኢዩ። ድሕሪ ነዊሕ ናይ ፖለቲካ ድራማታት ድማ፡ ኤርትራ ን10 ዓመታት ምስ ኢትዮጵያ ብፈደረሽን ክትቁረን ዝብል፡ ብዘይፍትሓዊ ኣገባብ ዝቖመ ፈደረሽን ብምእላም ዓበይቲ ሓይልታት ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ኤርትራ ወሰኑ። ብዘይፍትሓዊ ኣገባብ ዝቖመ ፈደረሽን ክብል ከለኹ ድማ፡ በቲ ልሙድ ናይ ክልተ ርእሰን ዝኸኣላ ሃገራት ዝግበር ፈደረሽናዊ ስምምዕ፣ ብካብ ክልቲኣተን ዝተወከሉ ፈደራላዊ ላዕለዋይ መንግስቲ ድማ ክምርሓ ኢዩ ዝግባእ ዝነበረ። ፈደራላዊ መንግስቲ ኢትዮጵያን ኤርትራን ግን ብሃፀይ ሃይለሰላሰ ንበይኑ ዝቖመን ዝምራሕን ከም ዝኸውን ተገብረ። እዚውን ካልእ ንኤርትራ ኣብ ትሕቲ ኢትዮጵያ ንምእታው ዝተኣልመ ምዃኑ ዘየጠራጥር ኢዩ።

ህዝቢ ኤርትራ ድሕሪ ዓሰርተ ዓመት ብምርጫኡ (ብሪፈረንደም) ናጽነቱ ክረጋግጽ ዕድል’ኳ እንተነበሮ፡ መንግስቲ ኢትዮጵያ ግን ኣቐዲሙ ንክዕንቅጾ ኣብ ቅድድም ኣተወ፡ ክሳብ ንባንደራ ኤርትራ ኣቐዲሙ ብምውራድ ብባንደራ ኢትዮጵያ ናይ ምትካእ ስጉምቲ ወሰደ፡ ጦር ሰራውት ኢትዮጵያ ድማ ናብ ኤርትራ ኣተዉ ። እዚ ካብ ”ወራር” ሓሊፉ ካልእ ቃል ዝርከበሉ ኣይነበረን።

ብካልእ ሸነኽ ድማ፡ እቶም ንመደባትን ስጉምትታትን መንግስቲ ኢትዮጵያ ዝተረድኡ ኤርትራውያን፡ ማዕረ ማዕሪኡ ተቓውሞታትን ናይ ቃልሲ ምድላዋትን ኣካየዱ። ህዝቢ ብሓፈሻ፡ ብፍላይ ድማ ተመሃሮን ሰራሕተንያታትን ግሁድ ተቓውሞታት ኣርእዮምን ተኣሲሮምን ተገሪፎምን ተሰዊኦምሉ ኢዮም። ካልኦት ድማ ውድባት ኣብ ምምስራትን ህዝቢ ኣብ ምስራዕን ተዋፈሩ፡ ብረታዊ ቃልሲ እውን ኢትዮጵያ ንኤርትራ ሓንቲ ካብ ኣውራጃታት ኢትዮጵያ ምዃና ቅድሚ ምእዋጃ ኢዩ ጀሚሩ።

ካብዚ ሓጺር መስርሕ ክንመዝን ኣንተኾንና፡ ቃልሲ ህዝቢ ኤርትራ ካብ ዕለት ሓደ ኣትሒዙ ብቑዕ ምኽንያትን መበገሲን ዝነበሮ፣ ንመሰሉን ንስለፍትሕን ንናቱ ናጻ ድልየት፡ ናጽነት ኤርትራ፡ ምንባሩ ታሪኽ ዝምስክሮ ኢዩ። ንናጽነቱ ክቃለስ ከሎ ድማ፡ ባዕሉ ሃገሩ ክመርሕን መሰሉ ተሓልዩሉ ሃገሩ ኣማዕቢሉ ብጽቡቕን ኮሪዑን ክነብር ድኣ’ምበር፣ ዓላማ ዘይብሉ ቃልሲ ከምዘይነበረ ኣበጋግሳኡን ዘካየዶ ዕቱብ ቃልስን ዝምስክረሉ ኢዩ።

ኣብ ጉዕዞ ካብ 40ታት ኣትሒዙ ኣብ ዝተኻየደ ቃልሲ ኤርትራውያን ተገፊዖምን ተሰዊኦምን ኢዮም። ናይ ጸላኢ ግፍዕን ጨካን ናይ ቅትለት ተግባራትን ንኤርትራውያን ኣብ ክንዲ ዘርዕዶምን ካብ ቃልሲ ዘብኩሮምን፣ ብኣንጻሩ ኣብ ቃልሲ ክጽንበሩን ንቃልሲ ከደንፍዑን ክሳተፉን ኢዩ ደፋፊኡዎም። ብፍላይ ድማ ኣብ እዋን ብረታዊ ቃልሲ ኣብ ዝተራእየ ናይ ሰራዊት ይኹን ናይ ውልቀ ተጋደልቲ ዓወታትን ጅግንነትን ኣብ ምድንፋዕ ቃልስን ምድኻም ጸላኢን ዓቢ ግደ ዝነበሮ ኢዩ።

ካብቲ ተመሃሮን ሰራሕተኛታትን ኣንጻር ይካየድ ዝነበረ ናይ ጎበጣ ተግባራት ዝተቓወሙሉን ብሰንኩ ድማ ዝተኣስሩሉን ዝተገፍዑሉን ካብ ሃገሮም ከምዝርሕቁ ዝኾኑሉን ጊዜታት ኣትሒዝና፥ ቃልስን መስዋእትን ህዝቢ አርትራ ክንዝክር እንትኾንና፥ ኣውዒሉ ዘሕድር መስተንክራት ዝሓዘ ታሪኽ ኢዩ ነይሩ ክብል እየ ዝኽእል። ኣብ ታሪኽ እቲ ጸላኢ ብናቱ ሰራዊት ኣንጻር ሰውራ ዝተበገሰሉ ቀዳማይን ታሪኻውን ውግእ፥ ውግእ ተጎርባ´ኳ አንተኾነን: ክዝከር እውን ዝግብኦ ምዃኑ እናስመርኩሉ፥ ድሕሪኡ ብዓቐንን ዓይነትን ዝዓዘዘ ናይ መኸተ ስርሒታትን ታሪኻውያን ውግኣትን እናተኻየደ ኢዩ ናብ ዓወት ተበጺሑ። ኩሉ ድማ ነቲ ብሽርክነትን ብተንኮልን ዝተመንዝዐ መሰሉን ናጽነቱን ንክመልስ ዘካየዶ ቃልሲ ፍትሓዊ ኢዩ ነይሩ።

ንሓርነት፡ ብሰንኪ ስሱዕ ኣካይዳ ጉጅለ ህግድፍ፥ መንእሰያት፥ ኣፍልተኦም ብዛዕባ ቃልስና ኣብ መስርሕ ምርግጋጽ ናጽነት ከምቲ ዝድለ ኣይኮነን። መንእሰያት ካብዚ ዝንቡል ኣረዳድኣ ወጺኦም ሓቀኛ ትሕዝቶኡ ክፈልጡ ክኽእሉ እንታይ ትመኽሮም?

ብጻይ ተኽለ መለኪን፡ እዚ ሎሚ ንህዝቢ አርትራ ኣብ ልዕሊኡ ወሪዱ ዘሎ ኣደራዕ፤ ”ብሰንኪ ስሰዐ ስልጣን ኢዩ” ኢልካ ዝሕለፍ ጥራይ ኣይኮነን። ብዙሕ ንሓቅታት ናይዚ ሽግር ዝሕብሩ ሓበረታትት ክወሃብ ጸኒሑ ኢዩ፥ ኮይኑ ግን ምስ ጊዜ ዳርጋ ከም ቤላ ቤለው ኮይኑ ዝተሓልፈ ይመስል። እቲ ጸገም ድማ ንሱ ኢዩ። ብመሰረቱ ነዚ ንአርትራ ዝመርሕ ዘሎ መላኺ ካብ ኣበጋግሳኡ ክምዘን ይግባእ። ካብ ጭቡጥ ሓበረታታትን ካብ ምስቲ ሓበረታታት ዝሰማማዕ ኣካይዳን ኣመራርሓን ስጉምትታቱን ድማ ንዕላማ ናይ ሎሚ መራሒ አርትራ ክብጻሕን ኣብኡ ዝተመስረተ ቃልስን ወፈራን ክካየድን፥ ኩሉ ኤርትራዊ ድማ ክርድኦን ክኣምነሉን ዝግባእ ኢዩ።

ናይ ሎሚ መራሒ መንግስቲ አርትራ፥ ገና ተፈንጪሉ ምስ ብኣጻብዕ ዝቑጸሩ ተጋደልቲ እንከሎ ”ጀብሃ ክትጠፍእ ኢያ” ዝበለን ብሰንኩ ድማ ብሓያሎይ ግሩሃት አርትራውያን ከም ነብይ ዝተቖጽረ ኢዩ፤ ናይ መጀመርታ ብሓንጎል አርትራውያን ዝተጻወተላ እዋን ኮይና ድማ ትስመዓኒ። እስከ ንሕሰብ፥ በቲ ዝነበሮ ዓቕሚ ከመይ ገሩ ናይ ጀብሃ ምጥፋእ ነብዪ ክኸውን ከኣለ፥ መጀመርታ ናይ ህልውናን ቀጻልነትን ዕሸል ውድቡ ኢዩ ከገድሶ ዝግባእ ዝነበረ። እዚ ግን ብዘይምኽንያት ኣይኮነን ተባሂሉ። እስከ ነዘን ንጥብታት ንርኣየን። ኩለን ድማ ዝተገብራን ዝተባህላን ኢየን።

1. ምስ ኢሳያስ ኣፍወርቂ ኣብ ናይ ኣዲስ ኣበባ ዩኒቨርሲቲ ናይ አርትራውያን ተመሃሮ ማሕበር (ጉጅለ) ኣቦ መንበር ዝነበረ ወልደየሱስ ዓማር፥ ኢሳያስ "ወዲ ዓማር ተታሊልካ፡ ኣይተታልለና፣ ብጀብሃ ዝካየድ ዘሎ ጅሃድ ኢዩ..." ይብል ከምዝነበረ ይጠቅስ። ኢሳያስ ከምዚ ዝበለ ኣብ ከባቢ ወርሒ 4/1966 እዩ። ድሕሪ ከምዚ ምባሉ 6 ኣዋርሕ ጸኒሑ ከኣ ናብ ሜዳ ከይዱ።
2. ኢሳያስ ንሜዳ ከይዱ ምስ ሰምዐ፥ መምህር ስዉእ ሚኪአል ጋብር ናብ ተጋድሎ ሓርነት ”ኢሳያስ ወይ……………ወይ ድማ ክፍንጨል ኢዩ” ዝብል መልእኽቲ ምምሕልላፉ።
3. ብስዉእ ተስፋሚካአል ጆርጆ ኣቢሉ ምስ ኣብ ቃኘው ስቴሽን ዝነበሩ ኣመሪካውያን ከም እተራኸበ። ኣነ ኣብ ሜዳ ካብ ኣፍ ወዲ ጆርጆ ዝሰማዕኩዎ ከምዚ ዝስዕብ ኢዩ።

ኢሳያስ ንኣመሪካውያን ብምኽሳስ ዘረብኡ ይጅምር፥ እቲ ኣመሪካዊ ድማ እዚ ንመንግስትና ዝምልከት ኢዩ፥ ሕጂ ግን ንስኻ ኣስላም ንክርስትያን ይቐትሉ ኣለዉ ኢልካ ተፈሊኻ ኣለኻ፥ ብሸነኽና ድማ ተጋድሎ ሓርነት አርትራ ምሰ´ዚ ኣብዚ ዞና ዘለና ስትራተጂ ትኸይድ ስለዘይኮነት ኣንጻራ ኢና፥ ስለዚ ብሓባር ኮይንና ኣንጻራ ክንቃለስን ከነጥፍኣን ንሰማማዕ ይብል። ድሕሪ´ዚ እንታይ ግዝያዊ ሓገዛት ከም ዝግበረሉን፥ ንመንግስቲ ኣመሪካ ሓቢሩ ድማ ካልኦት ዓበይቲ ሓገዛት ከም ዝረክብን ቃል ኣተወ። ክንሕግዘኩም ከለና፥ ይብል እቲ ኣመሪካዊ፥ ዝምድናታትና ንከይክሻሕ ናይ ኣመሪካ ብረት ኣይኮንናን ንህበኩም፥ ካብ ቬትናም ዝተኣከበ ብረታት ስለዘሎ ናይ ምብራቕ ብረት ኢና ክንህበኩም ከም ዝበሎ፥ ኣብ ልዕሊ´ዚ፥ ንተጋድሎ ሓርነት ኤርትራ ኣብ ምጥቃዕ ኮማንዶስ ከም ዝተሓባበሩኹም ክንገብር ንኽእል ኢና፥ ነቶም ኮማንዶስ ኣብ ዕላማኹም ከም ዝኣምኑ ምግባር ግን ከም መንፍዓትኩም: ከም ዝበሎ ካብ ኣፍ ውዲ ጆርጆ ብእዝነይ ዝሰማዕኵዎ ኢዩ።

ነቲ ካብ ኢትዮጵያ ተላኢኹ፥ ምስ ኣስራተካሳ ርክብ ነይርዎ ዝብል ተወሳኺ ሓበረታታት ብሸነኸይ ጽጹይ ሓበረታ ስለዘይብለይን ብግቡእ ስለ ዘይዝክሮን ክዛረበሉ ኣይመርጽን። እቲ ሕጂ ከስምረሉ ዝደሊ፡ እዚ ዝገልጾ ዘለኹ ካብ ሓልዮት ንህዝቢ አርትራ ድኣ´ምበር ተጋድሎ ሓርነት ኤርትራ ካብ ሜዳ አርትራ ብምልጋሳ ቅርሕንቲ ሒዘ ከምዘይኮነ ኢዩ። ብርእይቶይ፥ ከምቲ ንተጋደልቲ ህግሓኤ ከም ሓይሊ ህዝቢ አርትራ ዝርእዮም፥ ህዝብና ንተጋደልቲ ተጋድሎ ሓርነት ኤርትራ´ውን ከም ኣካል ሓይሊ ኤርትራ ከም ዝርእዮም እምነት ኣለኒ። (ሰኣን ፖሊቲካዊ ኣፍልጦ ዝጋገ ሰብ ግን ክህሉ ከም ዝኽእል ይርድኣኒ።

እንበኣርከስ ካብዘን ኣብ ላዕሊ ጠቒሰየን ዘለኹ ሓቅታት ምስ እንብገስ፥ ናይ ሎሚ መራሒ ኤርትራ ብግስ ከይበለ ንተጋድሎ ሓርነት አርትራ ክድምስስ ዝኽእል ሓይሊ ኣብ ጎድኑ ዘሰለፈ ስለዝኾነ ኢዩ ዓይኑ ከይሓሰየ ንምድምሳሳ ዝተነበየ። ተጋድሎ ሓርነት ኤርትራ ጸረ ገድሊ ክትብሎ እንከላ እውን፥ ነቲ ንጹህ ተጋዳላይን ሰዓባይን ድኣ ዝልክም ኮይኑ´ምበር ካብ ሓቂ ዝረሓቐ ኣይመስልን። ነዚ ስም´ዚ ንምጥፋእ (ንከይቅጽል) ዝተቓለሱ ድማ እቶም ደለይቲ ሰላምን ሓድነትን ዝነበሩ ኣባላት ተጋድሎ ሓርነት አርትራ ኢዮም።

ከምዚ ሎሚ በቢሸነኹ ዝስማዕ ዘሎ፥ ንህዝቢ አርትራን ሰውርኡን ምውጻዕ: ብንግሆኡ ኣብ ሜዳ ነቶም ንኣካይዳኡ ዘይዓጀቦምን ዝነቐፍዎን ብምልጋስ ኢዩ ተጀሚሩ። ህዝብን ተጋደልትን ድኣ፤ ገለ ምእንቲ ናጽነት ክብሉ፡ ካልኦት ብሰንኪ ሕጽረት ኣስተብህሎ፥ ገለ ድማ ብፍርሒ ክዓግትዎ ኣይከኣሉን። እቲ ዘሰክፍ ድማ፥ ገና ሕጂውን ንመንእሰይ ነመሓላልፎ መልእኽቲ ዝተዋቕዐን ዘደናግሮምን ምዃኑ ኢዩ። ነቶም ናብ ቅኑዕ ኣረዳድኣን ኣተሓሳስባን መርገጻትን ከትሕዝዎም ዝጽዕሩ፥ ክንድኦም ዝኾኑ ዘረግትን መደናገርትን ኣፍረስትን ርኢቶታት ኣብ ውሽጢ ደለይቲ ሰላምን ተቓለስቲ ውድባትን ዘለዉ ኢዩ ዝመስል። ነተን ክሰምዓን ንመንእሰያት ኣብ ከባቢአን ከዕስላን ከማዕብላን ድልየት ዘለወን ፖለቲካዊ ውድባት ኣብ ክንዲ ምድንፋዕ ብስም ሲቪካዊ ማሕበራት መአከቢ ዘይብሉ ፋሕጭንግራሕ ዝበለ ህልውና ብዙሕ ሓጋዚ ኣይኮነን ዘሎ።

መንእሰያት አርትራ ኣይ ካብ ትምህርቲ፡ ኣይ ካብ ኣፍልጦ ታሪኽ ሃገሮም፡ ኣይ ካብ ኣፍልጦ ታሪኽ ሰውርኦም ኮይኖም ኣለዉ። አዚ ድማ እንተወሓደ ሓደ ወለዶ ተሰናኺሉና ከም ዘሎ ዘርኢ ኢዩ። መንእሰይና: ነቲ ካብ ሃገር ብክንደይ መከራ ተሰዲዱ ኣብ ኣውሮጳን ኣመሪካን ንክኣቱ ዝገበሮ ብቑዕ ኤርትራዊ ሽግራት፥ ፖለቲካዊ ጠንቂ ምዃኑ ናይ ምርዳእ ጸገም እውን ከይሃለዎ ኣይተርፍን። ስለዚ እዞም ተካእቲ ዝኾኑ ብመንግስቶም ዝተበደሉ መንእሰያትና፥ ነቲ ናይ ብሕታዊ ጸገሞም ጥራሕ ኮይኑ ዝረኣዮም ሽግራት ናይ ሓባር ከም ዝኾነን፥ ብሓባር ፍታሕ ረኺብና ንኩሉ ከም ዝሕሾን ከምዝጥዕሞን ምግባር ምርጫ ኩላትና ክኸውን ከምዝርድኡን ዝዓግቡን ምግባር ኢዩ ዘድሊ ዘሎ።

ተቓለስቲ ወለዶታት ስለ ናጽነት ክቃለሱን ክስውኡን ከለዉ፥ ብዛዕባ መጻኢት ኤርትራ ዝነበሮም ሕልሚ ንመንእሰያት ከም ትምህርቲ ክመሓላለፉሎም ኣዝዩ ኣገዳሲ ኢዩ። ከም ናይ ቀደምን ዝሓለፈን ታሪኽን´ሞ ዘየድሊ ኢዩ ብምባል ብኣሉታ ዝገልጽዎ ድማ፥ እንተ ብፍላጥ እንተ ብዘይፍላጥ ንመንእሰያት/ሓዲሽ ወልዶ ይሃስዩን የደንቁሩን ኣለዉ ጥራይ ዘይኮነስ ኣብ ጎድኒ ህግድፍ ከምዝተሰርዑ ኢዩ ዘቕጽሮም። ናይ ሎሚ መንእሰያት፥ ብፍላይ እቶም ኣብ ስደት ዝርከቡ፥ ነቲ ጸረ ህግድፍ ዝካየድ ቃልሲ ንናይ ሃገርን ህዝብን ሓልዮትን፥ ንመንእሰያት ድማ ዝሓሸት፥ ምዕብልትን ብሰላም ዝነብሩላን ሃገር ከረጋግጹሎምን ዝግበር ዘሎ ዕቱብ ቃልሲ ከምዝኾነ ክርድኡን ክስዕብዎን፥ መተካእታ ክኾኑ ንክኽእሉ ድማ ክሳተፉን ሓላፍነት ክስከሙ ክበቕዑን በዚ ኣጋጣሚ´ዚ ክምዕድ እፈቱ።

ንሓርነት፡ ኣብዚ ታሪኻዊ ኣጋጣሚ ኰንካ፥ ኩሉ መዳያዊ ሃለዋት ኤርትራ ናብ ዝሓሸ ደረጃ ንምብጽሑ እጃምን ሓላፍነትን ናብ ዘለዎም ኣካላት (ህዝቢ ኤርትራ፥ መንእሰይ፥ ሓይልታት ተቓውሞ፥ ሰራዊት ኤርትራ) እተመሓላልፎ መልእኽቲ እንታይ`ዩ?

ብጻይ ተኽለ መለኪን፡ ደንበ ተቓውሞ ንሓያሎይ ዓመታት ነዚ ሎሚ ኣብ አርትራ ስልጣን ብኢደወነኑ መንዚዑ ዝመርሕ ዘሎ ምልኪ ክቃወሞን ከቃልዖን ዝጸንሐ`ኳ እንተኾነ፥ ኣብ አርትራ ናይ ስርዓት ለውጢ ከረጋግጽ ግን ኣይከኣለን። እቲ ምኽንያታታት ባዕላውን ወድዓውን ኢልካ ክትንተን ዝከኣል`ኳ እንተኾነ፥ ዓንቃፊ ግደ መንግስቲ ኤርትራ እውን ዓቢ ከም ዝነበረን ዘሎን ዘይሰሓት ኢዩ። ንመንእሰይ ገና ካብ ዓዲ ከይወጸ እንከሎ ኣብ ልዕሊ ተቓወምቲ ጥርጣረን ጽልእን ከሕድር ጌሩ ብምኹስኳስ፤ ካብ ሃገር ምስተሰደደ እውን ምስ አምባሲታቱ ከምዝቑረንን ንብሕታዊ ጥቕምታቱ ክብል ጥቓ ተቓውሞ ከይቀርብን፡ ኣብ ልዕሊዚ ድማ 2% (ሚእታዊት) ካብ እቶቱ ንክኸፍልን፥ ተኣማማንነቱ ከመስክር ብዕሊ ኣንጻር`ቲ ዝሓልየሉ ደንበ ተቓውሞ ከም ዝምድርን ብምግባር፤ ኣብ ውሽጢ ደንበ ተቓውሞ (መን ይፈልጥ ኣብ ውሽጢ ውድባት፥ ከምቲ ናይ ወትሩ ተግባራቱ፥ ሰለይትን ዘረግትን ብምስዃዕን) ቀጻሊ ዕንቅፋትን ምድኻማትን ንክህሉ ግደታቱ ተጻዊቱን ክጻወት ድማ ይርከብን ኣሎ።

እቲ ሕጂ ዘገድስ ግን፤ ነዚ ኩሉ ኣብ ግምት ብምእታው፤ ኣብ ክንዲ ኣብ መጻወድያ ጸላኢ ምእታው፤ ብሓድነት ጉድለታትካ ኣለሊኻ ነቲ ናይ ሓባር ዕላማኻ ብሓባር ከተዕውት ምብጋስ ኢዩ። ኩሉ`ቲ ንጽቡቕ ናይ ሃገሩ ዝተበገሰ ምንቅስቓሳት፥ ካልኣዊ ጉዳያቱ ንድሕሪት ኣጽኒሑ፥ ነቲ ንኤርትራን ህዝባን ጨፍሊቑ ዝገዝእ ዘሎ መላኺ ስርዓት ኣብ ምልጋስ ከተኩር እዋናዊ ጠለብ ኮይኑ ይስምዓኒ። ነዚ ንምግባር ድማ ምክብባርን፥ ናይ ሓቢርካ ምስራሕ መንፈስን ምዕዛዝ፥ ንኩሉ ናይ ኣነነት ዓንቃፍን ድሑርን ዝኾነ ኣተሓሳስባ ምውጋድን ይሓትት። ፖለቲካውያን ግንባራትን ሰልፍታትን በዚ መንግዲ ምስ ዝኸዳ ድማ: ኩሉ ሲቪካዊ ማሕበራትን ድስኩላት ብቕዓት ዘለዎም ውልቀሰባትን ክድግፍዎምን ግደታቶም ከበርክቱን ክጅምሩ ባህርያዊ ክኸውን ከምዝኽእል ዘጠራጥር ኮይኑ ኣይስመዓንን። እቶም ንመንግስቲ ነጺጎም ድሮ ኣብ ደንበ ተቓውሞ፥ ግን ድማ ፋሕ ኢሎም ዝርከቡ መንእሰያት’ውን: ብናህርን ብተስፋን ክስዕቡን መንእሰያዊ ባህርያቶም ብዝመርሖም መገዲ ክቃለሱን ምዃኖም ይርኣየኒ።

እዚ ምስ ዝረጋገጽ ድማ፥ እቲ ምልካዊ መንግስቲ ናተይ ኢዩ ዝብሎ ውጹዕ ሰራዊት ኤርትራ እውን እንተኾነ፥ ተስፋ ክገብርን ነቲ ከም መሳርሕን መፈራርሕን ከም ዝዓጀቦ ገይሩ ዝጥቀመሉ መላኺ ምንግስቲ ክነጽጎን ክሳብ እውን ከውርዶን ኣብ ዝኽእለሉ ደረጃ ክበጽሕ ኣኽእሎታት ከምዘሎ ክግመት ይከኣል። ስለዚ ህዝቢ ኤርትራ፥ ሓይልታት ተቓውሞ፥ መንእሰያትን ሰራዊት አርትራን፥ ለውጢ ንክመጽእ ብሓደ መንፈስን ናይ ስርዓት ምቕያር ድልየትን ኣብ ዝሃለዉ ሃልዮም ብምትእምማን ክሰርሑ ኣዝዩ ኣገዳስን ኣብ ምቅልጣፍ ዓወት ግደ ዘለዎን ኢዩ።

ንሓርነት፡ የቐንየልና ብጻይ ተኽለ
ብጻይ ተኽለ መለኪን፡ ኣነ’ውን ስለቲ ዝተዋህበኒ ዕድል ደጊመ የመስግን

Last modified on Monday, 22 May 2017 13:20