መበል 26 ዓመት ናጽነት ኤርትራ

2017-05-23 21:23:18 Written by  ቤት ጽሕፈት ዜና ሰዲህኤ Published in EPDP News Read 2824 times

ክቡራትን ክቡራንን

 

ህዝቢ ኤርትራ፡ ን30 ዓመት ዘካየዶ ብረታዊ ተጋድሎ፡ ብ1991 ዓ.ም ንሰራዊት ጐበጣ ኢትዮጵያ ካብ መሬቱ ሓግሒጉ ብምጽራግ፡ ኤርትራ ናጻ ኣውጺእዋ። ብ24 ግንቦት 1993 ብዝተኻየደ ህዝባዊ ሪፈረንደም ድማ፡ ኤርትራ ናጻን ልዑላዊትን ሃገር ኰይና ኣህጕራዊ ተፈላጥነት ረኸበት። እዚ ናጽነት’ዚ ብሃቦ ተረከቦ ዘይኰነስ፡ ከቢድ ናይ ህይወት፡ ንብረት፡ ግዜ መስዋእቲ ብምኽፋል ኢዩ ተረጋጊጹ።

 

ሰልፊ ዲሞክራሲ ህዝቢ ኤርትራ (ሰዲህኤ)፡ ብኣጋጣሚ መበል 26 ዓመት ናጽነት ኤርትራ፡ ንህዝቢ ኤርትራ ናይ ዮሃና መልእኽቱ እናመሓላለፈ፤ በቲ ካልእ ሸነኽ ከኣ፡ ኣብ ትሕቲ ውልቀ-ምልካዊ ስርዓት ዘሕልፎ ዘሎ ናይ ስቓይን ዓፈናን ሃለዋት መሪር ሓዘኑን ጓሂሁን ይገልጽ።

 

መበል 26 ዓመት ናጽነት ኣብ እንጽንብለሉ ዘለና እዋን፡ ህዝብና ብሰንኪ ስእነት ማይ፡ መብራህቲ፡ መንበሪ ኣባይቲ፡ ሕክምና፡ ስራሕ ይሳቐ ምህላዉ ዘይከሓድ ህዝብናን ዓለምናን ዝምስክርዎ ሓቂ ኢዩ። ኣብ ርእስ’ዚ፡ ማእለያ ዘይብሎም መንእሰያት ኤርትራ፡ ናይ መጻኢ ዕድሎምን ተስፋኦምን ስለዝጸልመቶም፡ ዝፈትውዋ ሃገሮምን ዝፈትውዎ ህዝቦን ራሕሪሖም ንስደት የምርሑ ኣለዉ። ኣብ ጕዕዞ ስደቶም ድማ፡ ንሞት፡ ግህሰት ሰብኣዊ መሰላትን ዓዛብን ይቃልዑ ኣለዉ። እቲ ህዝብና ዝልለየሎም ክብርታትን ባህልታትን ተደዊኖም፡ ስደተኛታትን ስኡናትን ዝብል ስም መጸዊዕናን ሕላገትናን ምዃኑ ከመይ ዘየሕዝን።

 

 

ስርዓት ኢሳያስ ምስ ኢትዮጵያ፡ የመንን ጅቡትን ዝወልዖ ኵናት ገለ ክፋል ካብ መሬትና ክንስእን ገይሩና ኢዩ። ሕጂ ድማ፡ ኣብ ገማግም ቀይሕ ባሕሪ ዝርከብ ማያትና፡ መሬትናን ሰማያትናን ነቶም ኣንጻር ሓይልታት ሖቲ ዝዋግኡ ዘለዉ ብስዑድያ ዝምርሑ ሓይልታት ስለዘካረዮ፡ ሃገርና መዐንደሪ ናይ ወጻኢ ሰራዊት ኰይና ኣላ። ህዝብና ድማ፡ ኣብ ገዛእ ባሕሩ ከይገፍፍ፡ ኣብ ገዛእ መሬቱን ማያቱን ድማ ከይንቀሳቐስ ተሓሪሙ ጥራይ ዘይኰነስ፡ ብደብዳብ ነፈርቲ ልፍንቲ ሃገራት ኣዕራብ ንሞት ክዳረግ ጀሚሩ ኣሎ።

 

ክቡራትን ክቡራንን

 

እዚ ንህዝቢ ኤርትራ ምብላዕ ዝለመደ ስርዓት፡ ሕጂ ከኣ፡ ጥሙር ዘላቒ ልምዓት ኣብ ትሕቲ ዝብል ምቁር ቃላት፡ ነተን ኣብ ግዳም ዝርከብ ህዝብና ርሂጹን ደኺሙን ዘዋህለለን ናይ ወጻኢ ባጤራታት ንምምንዛዕ ከምባህቕ ይርአ ኣሎ።

 

ድሕሪ ፍሽለት መደባት ጥሙር ሕርሻ፡ ምህናጽ መንበሪ ኣባይቲ፡ ፎንድ፡ ብቸክ ምስራሕ ዝብል መፈንጠራ ምሕዳግ ገንዘብ ህዝቢ ክታለል ዝኽእል ሰብ ዝህሉ ኣይመስለናን። ኣብ ኤርትራ ገንዘበይ ኣብ ልምዓት ኣፍሲሰ ረብሓ ክረክብ’የ ኢሉ ዝሓስብ ኤርትራዊ ይኹን ወጻእተኛ እንተደኣሃልዩ ዝዓበደ ወይ ነገር ዘይጸገበ ጥራሕ ኢዩ ክኸውን ዝኽእል። ማዕድን ኤርትራ ተጓሕጕሖም ብወደብ ምጽዋዕ ንግዳም ክወጹ ይርኣዩ ኢዮም። ኣታዊታቶም ግን፡ ኣበይ ይውዕል ዝፈልጥ እቲ መላኺ ዘውዲ ዘይደፍአ ንጉስን መጋበርያታቱን ጥራሕ ኢዮም።

 

ኤርትራ ኣብ ትሕቲ ስርዓት ኢሳያስን ፖሊሲታቱን ሰላም፡ ልምዓት፡ ፍትሕን ዲሞክራስን ዝሰፈና ሃገር ክትከውን ከምዘይትኽእል ዝሓለፍናዮ ናይ 26 ዓመታት ተመኵሮ ዝምስክሮ ሓቂ ኢዩ። ስለ’ዚ፡ ብዘይካ ንስርዓት ኢሳያስን ፖሊሲታቱን ቀይርካ፡ ብቅዋም እትመሓደር፡ ግዝኣተ-ሕጊ ዝሰፈና ኤርትራ ምህናጽ ካልእ መተካእታ የለን።

 

ነዚ ክውን ንምግባር፡ ኣብ ውሽጥን ኣብ ግዳምን ዝርከቡ ንለውጢ ዝቃለሱ ኤርትራውያን ነቲ ብሓባር ከስርሖም ዘይከኣለ፡ ኣሉታዊ ተመኵሮታት ካብ ምድጋም ወጺኦም፡ ለውጥን ሰላማዊ ምስግጋር ስልጣንን ከረጋግጽ ዝኽእል ባይታ ክምድምዱ ወይ ከንጽፉ ይግባእ።

 

ነዚ ንምግባር ድማ፡ ክሳብ ውድቀት ዲክታቶርያዊ ስርዓት፡ ኣብ ህዝባዊ፡ ዲፕሎማስያውን ዜናውን ዕዮታት ክካየዱ ወይ ክሳለጡ ዘለዎም ሓባራዊ ዕማማትን ዕላማታትን ምስምማዕ ጥራሕ ኢዩ ዝሓትት።

                                                                  

ብዘይ ሃገር ክብሪ ይኹን ዲሞክራሲ ክረጋገጽ ስለዘይከኣል፡ ነዛ ከቢድ ዋጋ ዝኸፈልናላ ሃገር ምሕላው፡ ንሰማእታትና ምኽባርን ንሓድነትና ዝፈታተኑ ሓይልታት ምብዳህን ሓላፍነትናን ግቡእናን ኢዩ።

 

ኣብ ኤርትራ ዘሎ ገፋዒ ስርዓት ከም ኵሎም ከምኡ ዝኣመሰሉ ስርዓታት ምውዳቑን ምሕላፉን ኣይተርፎን ኢዩ። ድሮ’ኳ፡ ኣንፈታቱ ክርአ ጀሚሩ ኣሎ። ህዝቢ ኤርትራ ግን ነባሪ ስለዝዀነ፡ ዓስቢ መስዋእቱን ቃልስታቱን ክረክብ ምዃኑ ኣይንጠራጠርን ኢና።

 

ጸላም ተቐንጢጡ፡ ብርሃን ክነግስ!!

መብጽዓና ንቓልሲ እንደገና ነሐድስ!!

ክብርን ዘልኣለማዊ ዝኽርን ንሰማእታትና!!

 

መንግስተኣብ ኣስመሮም

ኣቦ መንበር ሰዲህኤ

24 ግንቦት 2017

Last modified on Tuesday, 23 May 2017 23:36