ብዕለት 25 ግንቦት ኣብ ርክብ ኤርትራውያንን ሰበስልጣናት ከተማ ጎተንበርግን ብረዘነ ተስፋጽዮን ዝቐረበ ጽሑፍ።

2017-05-26 18:35:15 Written by  ቤት ጽሕፈት ዜና ሰዲህኤ Published in EPDP News Read 5375 times

ኣብዛ ዘለናያ ሃገር ብ1974 መጺአ: ምኽንያት ንትምህርቲ ስነ ሃይማኖት። ውሽጣዊ ደፋኢ ረቛሒ ከኣ ፖለቲካዊ። ካብ መወዳእታ 1971 ክሳብ 1973 ብሕቡእ ኣብ ፖለቲካዊ ምንቅስቓስ ንነጻነት ኤርትራ ይሳተፍ ዝለዝነበርኩ። መንቀሊየይ ከምኡ ስለ ዝነበረ ድማ ኣብ ሓፋሽ ውድባት ህግሓኤ ከም ተማሃራይን ሰራሕተኛን ኣብ ሽወደን ተወዲበ። ኣብ 1990 ብወግዒ ደስኩልኩም ክሳብ ንብሃል ካብ 1975 ዓም ከም ተራ ኣባልን ብሓላፍነትን ተሳቲፈ። ኣብ ፖለቲካ ሃገር ሽወደን ድማ ካብ 1986 ዓም ኣብ ሰልፊ ሶሻል ደሞክራሲ ተወዲበ ኣብ ኮሙናውን ኣውራጃውን ከም ተራ ኣባልን ኣብ መሪሒነትን ተዋሲአ። ካብ 2002 ክሳብ 2006 ኣባል ባይቶ ሸወደን ብምዃን ካብቶም ቀዳሞት ኣፍሪቃውያን ኮይነ ኣገልጊለ።

ሕጂ ኣብዚ ሃገር ሽወደን ን43 ዓመት ተቐሚጠ ኣለኹ። ድሕሪ ነጻነት ካብ 1992 ክሳብ 2001 ንኤርትራ ሓሙሸት ግዜ ተማላሊሰ። ድሕሪ ጠለብቲ ቁዋም በቲ ዕሉል ውልቀ መላኺ ምጥፋእ ግን ኣይከድኩን። ብድሕርዚ ኸኣ ኣብ ተቛውሞ ደምበ ኣብ ሰልፊ ደሞክራሲ ህዝቢ ኤርትራ ተወዲበ ንደምክራስን ፍትሕን ኣብ ኤርትራ እሳተፍ ኣለኹ።

ኩሉና ከም እንፈልጦ ኤርትራ ድሕሪ ብስርዓት ህግደፍ ምግዝኣ ብኹሉ ወገና ማሲናያ። ኣብቲ ፖለቲካዊ ቅርጻ ብበይነኣዊ ግበታ ትምራሕ ኣላ። ኣብቲ ቁጠባዊ ሃለዋት እቲ መሰረታዊ ንህዝቢ ዘድሊ ሕጽረት መግብን ማይን ኣሎ። ብግቡእ ስራሕ ረኺብካ ንቡር ደሞዝ ብመዐቀኒ ሳልሳይ ዓለም የለን። ትምህርቲ ዝተፋላለየ ኮሎጃት ኣሎ ይብሃለናዩ ብህግደፍ። ኣብ ኮሎጃት ወዲኦም ዝተባህሉ ድማ ከናብሮም ብዝኽእል ደሞዝ ሰሪሖም ክነብሩን ሂወቶም ክመርሑን እይንርእን። ብኻልእ እንኮ ብሓገዝ ቫቲካን ዝተርሰርሐት ዩነቨርስቲ ኣስመራ ብህግደፍ ተዓጽያ፣ ቀንዲ ስራሕ መንግስቲ ህግደፍ መንእሰይ ናብ ሳዋ ወሲድካ ወተሃደራዊ ታዕሊም ምምሃርን ኣብኡ ከም ዝኽወል ምግባርዩ። እዚውን ከም መበገሲኡስ ምዂንዩዩ ነይሩ። ንዓመትን ሾመንተ ወርሕን። እንተኾነ ብ1994 ቀዳማይ ዙርያ ምስ ተገብረ ብኡ ገይሮም መንእስያት ኤርትራ ብዘይ እፎይታን ደሞዝን ከም ዝባኹኑ ይግበር ኣሎ።እዚ ንሃገርውን ምርማስዩ። ሓይሊ መንእሰይ ዘይዋሳኣላ ሃገር ዕንወታ ሽዑዩ ዝግሃድ። ኣብቲ ፖለቲካዊ መዳይ ከም ዝሰማዕናዮ ሓደ ውድብዩ ዘሎ። ክትእከብ: ክትውደብ: ርእይቶኻ ብዛዕባ ፖለቲካዊ ኩነታት ሃገርን ህዝብን ክትዛረብ ኣይፍቀድን። ምስ ዓለም ዘሎ ዲፖሎማስያዊ ርክባት ምህሙንዩ። በቲ ”ሓደ ልቢ ሓደ ህዝቢ” ዝብል ስነሓሳብን: ነብስና ንኽእል ኢና ብዝብል ናይ ትዕቢት ፖለቲካን: ኤርትራ ካብ ዓለም ንጽልትያ። ብሰሜን ክሮያ እያ እትምሰል። ፍልልየን ስሜን ኮሮያ ብወተሃደራውን ንክልዮራዊ መሳርያ ውግእን ንኤርትራ ትዓብያ ምዃናዩ። ኤርትራ ዓቕሚ ህዝባ ብግቡእ ሒዝካን ንቖልዑን መንእሰያትን ብግቡእ ትምህርትን ጽፉፍ ባህሊ ሃኒጽካን ንህዝቢ ብሰላምን ደሞክርያስያዊ ክብርን ሒዝካ ምዕባለ ክምጽእ ምኸኣለ። እዚ ግን ካብ ህገደፋውያን ከምዘይርክብ  ናይ 26 ዓመት ጽዩፍ ምምሕዳሮም ኣርእዩናዩ።

እዚ ዘስዓቦ ህዝቢ ብፍላይ መንእስያት ኤርትራ ሃገር ሽኦል ኮይናቶም ንቕድሚኦም ይስደዱ ኣለው። ኣብ ጉዕዞ ስደት ዘጋጥም ሽግራት ኣነ ንዓኹም ክነግረኩም ኣይክእልንየ። ግን ድማ ኣቲ ናይ ላምበዱዛ ህልቂት ኣብነት ኩነታትንዩ። እቲ ሕሱር መራሒ ህግደፍ ንመቕዘፍቲ ኤርትራውያን ኣብ ላምበዱዛ ናይ ገለ ኣፍሪቃውያን ሞት ኢሉ ኣብ ማዕከናት ዜናኡ ኣውርዩ። ባንደራታት ኢጣልያን ውድብ ሓድነት ኣፍሪቃን ንመዘከርትኦም ኣብ ፍርቂ ተሰቒለን። ህግደፋውያን ድማ ውርደቶም ኣብ ህዝቢ ኤርትራ ክይቅላዕ: ዘለዎም ስልጣን ዕብጣ መድያ ተጠቒሞም ዛንታ ንጹሃት ቀቢሮም። ክሳብ ዘለው በዚ ነውሪዚ ተጎልቢቦም ክቕጽሉዮም።

ንስኻትኩምውን ናይ ከምዚ ዓይነት ግዳያት ኢኹም። ብኸመይ ጸገማትን ሽግራትን ሓሊፍኩም ናቱ ዝርዝራት ዘለዎ ኮይኑ፣ ኣብዛ ተዛማዲ ሰላምን ህዝባዊ ሕጋዊ ኣገልድሎት ዘለዋ ሃገር ኣለኹም። እተን ቀዳሞት ሰለሰተ ዓመታት ኣብዚውን ጽንኩራትየን። ቋንቋ ሽወደን ምምሃር መጀመርያ ጠለብያ; ንመንባባሮኻ መፍትሕያ። ምስኡ ድማ ኣብ ሃገር ዘለው ወገናትካ ከምቲ ኣቐዲምና ዝበልናዮ ኣብ ሽግር ገዲፍካዮም ከም ዝመጻእካ ስለ እትፈልጥ ናይ ውሽጢ ጸቕጢ ይፈጥረልካ። ብፍላይ ደቅኻን በዓልቲ ቤትካን ወይ በዓል ቤትክን ደቅኽን ገዲፍካ ገዲፍኪ ቊሊሕ ዝብሎም ዘይብሎም ሽማግለታት ወለዲ ኣብ ቅድሚ ዓይናኻ ከም ሓወልቲ እናተራእዩኻ ኣብ ሽወደን ታተ ምባል፣ ሰብ ክእለት ደእ ይሃቦ እምበር ብቐሊል ዝርአ ኣይኮነን። ስኒ ምንካስን ንሒን ዘድልዮ ጉዕዞዩ።

ታሪኽ ኤርትራውያን ታሪኽ ቃልሲዩ። ደጊምሲ ዓለም እትምስክሮ መለለይና ኢዩ። ንኹሉ ዓንቃፊ ምምባር ብሰላም ኣንጻሩ ምቅላስ። ሰብ እንተደልዩን፡ጽቡቕ ድልየቱ ከማልእ እንተወሲኑን ክብጻሕ ዘይከኣል የለን። ግን ኩሉ ግዜ ምስ ዓቕምኻ ዝተዛመደ ምሕሳብ ኣገዳስዩ። ንስኻትኩም መብዛሕትኹም ንኣሽቱ መንእስያት ኢኹም ናይ ሃገርኩምን ህዝቡኹምን ተጋድልኡ ብዛንታ እትፈልጥዎ ይኸውን ንገለኹም። ሓደ ዓቢ ፍጻመ ቃልሲ ህዝቢ ኤርትራን ዓወቱን ድማ ሃገራዊ ነጻነትዩ። ብመሪር ቃልስዩ ተረኺቡ። ኣሽሓት ዝተሰውኡሉ ሃገራዊ ነጻነት ብብረታዊ ቃልሲ። ሕጂ ብናተይ ርእይቶ እንገብሮ ቃልሲ ንምምሕያሽ ናብራን ሂወትን ብብልሓትን ኣርሒቕካ ምርእይን እንተወሲድናዮ፣ መጀመርያ ጡዑይ ኣካልን ኣእሙሮን ክህሉ ምቅላስ።  ሃወኽ ዘድልዮ ጉዳይ ኣይኮነን ። መጺእካሉ ዘለኻ ሃገር ሕጉን ግቡእን ተገዚብካ መሰልካ ንምርካብን ከም ምሉእ ሰብ ትምዕብለሉ መገዲ ምሓዝ። ካብ ኩሉ ንኣካልን ኣእሙሮን ብሕማቕ ካብ ዘህልኽ ምጥንቓቕን ምርሓቕን። ኣልኮላዊ መስተን ካልኦት ዓይነት ድራግን ሽጋራውን። ስፖርት ወይ ድማ ሓፈሻዊ ምውስዋስ ኣካላት ምዝውታር ኣገዳስዩ። ኣእምሮ ከም ዝሰራዕካዮዩ ዝኸይድ። ጥዑይ ኣእምሮ ኣብ ጥዑይ ኣካላት ወሳኒዩ። ብሕጽር ዝበለ ጥዕና ዘለዎ ሂወት ዕውትዩ። እዚ እቲ ባዕልና እንውንኖ ጥዕናዊ ሂወትየ ዝዛረብ ዘለኹ። ተፈጥሮ ዘምጽኦ ሕማም እንተኾይኑ ኣብ ዝበለጸ ሕክምና ዘለዎ ሃገር ስለ ዘሎና ብግቡእ ክንጥቀመሉ ኣሎና። ቅድሚ ምሕማምና ንኽመጽእ ዝኽእል ሕማም፡ንምፍላጥውን ምናልባት ኢልካ ሕክምናዊ መርመራ ኣካላት ምግባር ጽቡቕዩ። ነዚውን ዓቢ ተኽእሎ ኣሎ ኣብዚ ሃገር። ናይዚ ዓመትዚ ዝበለጻ ሃገራት ብሕክምና ኣብ ዝተገብረ መጽናዕቲ ሽወደን ራብዐቲያ። ስዊዘርላንድን ኣይስላንድን ሓንቲ ሕጂ ስማ ዝረሳዕኩዋን ጥራየን ዝቕድመኣ። ናይ ምሉእ ዓለም ሕክምናዊ ስታትስቲክዩ። ንምምባር ምችእቲ ካብ ዝኾና ሃገራት ከኣያ። ኣብ ዓስራይ መስርዕ ትርከብ ሽወደን።

ማሕበራዊ። ምስ ኩሉ ሰብ ብሰላም ምንባር። ምስ ጎረበባትኻ: መሳርሕትኻ: መማህርትኻ: ብሓፈሸኡ ትነብረሉ ሕብረተ ሰብ። ካበይን መበቆሉን ብዝየገድስ ምስ ሰባት ብምክብባር ምንባር። ንእትረኽቦም ሰበ ስልጣናትን ወሃብቲ ማሕበራዊ ኣገልግሎትን ብኣገባብን ክብርን ምርኻቦም ኣገዳስዩ። ከምኡ ምግባር ተመሊሱ ዘኽብረካዩ። ከም ኮሚኒቲ/ማሕበረ ሰብ) ማለት ኤርትራውያን ከምቲ ጽፉፍ ባህላና ምትሕጋግዝን ምርድዳእን ኣገዳሲዩ። ነቲ ኽፉእ ዘይኮነስ ነቲ ጽቡቕ ብምውሳድየ። ወገናዊ ስምዒትን ብኡ ምንቅስቓስን ሃገራዊ ሰበብ ዘለዎዩ።  ብሃገራውን ህዝባውን ኮሚኒቲ ምሕሳብን ምስራሕን ጥዕናዩ። ንመጻኢት ደሞክርያሳዊት ህዝባዊት ሃገርና ጥዑይ ሰረትዩ።

ቁጠባዊ;- ኣቕድም ኣቢለ ከም ዝጠቐስክዎ ኣብዚ መዳይዚ ዝውጥጠና ጉዳያት ብዙሕዩ። ኣብ ሓጺር ግዜ ኩሉ ክማላእ እንተሓሲብና ክንህሰ ኢና። እግሪ ምትካል ኣብ ስደት ብትዕግስቲ እምበር ብዓቕሊ ምጽባብ ኣይርከብንዩ።  መጀምርያ ቋንቋ ሽወደን ምምሃር መፍትሕዩ ኢልና ነርና። ኣብዚ ቐረባ ግዜ ዝረአኽዎ ዜና ገለ 20 ዝኾኑ ሓካይም ካብ ካልኦት ሃገራት ኣብ ሽወደን ከስርሖም ዝኽእል ክሉ ዓይነት ኣገባብ ሕክምና ቋንቋ ምስኡ ኣብ ሉንድ ዩንቨርስቲ ናይ ኣርባዕተ ዓመት ትምህርቲ ኣብ ውሽጢ ሓደ ተርሚን ከጣናቕቕዎ እዮም ዝብል ዜና ኣንቢበ። ዝተፋላለየ ሞያ ብመፍትሕ ቋንቋን ናይ መጺእካሉ ዘለኻ ሃገር ሕግን ባህልን ብምልላይ ኢኻ እትኣትዎ። ብድሕርዚ ምስ ክእለትካን ትምህርትኻን ሞያኻን ስራሕ ምርካብዩ። እዚውን ቃልሲ ዘድልዮዩ። ምስ ረኸብካዮ ድማ ናይ ሂወት ማዕርነት ኣብ ሕብረትሰ ሰብ ዝህብዩ። ስራሕ ምህላው ብነብስኻ ክትሓድር ዝገብር ኮይኑ ክብሪ ሂወትዩውንዩ። ኣብዚ ሃገር ኩሉ ዓይነት ስራሕ ናይ ገዛእ ርእሱ ክብሪ ኣለዎ። ዝኾነ ዓይነት ስራሕ ሰሪሑ ዝነብር ሰብ ከኣ ብደርጃ ስርሑ ናቱ ክብሪ ኣለዎ።

ፖለቲካ: ኣብ ኤርትራ ናይ ምውዳብን ምእካብን ርእይቶኻ ምግላጽ መሰል የለን ኢለ ነይረ። ኣብዚ ዘለናዮ ሃገር ከኣ ናይ ምዕባለ መስርሕ ብውደባዩ ዝመጽእ ዝብል እምነትን ተግባርን ኣሎ።ኣብ  ሽወደን ከምናይ መጻኢ ሃገራዊ ዓወት ኢሎም ካብ ፈለማ ዝተገንዘብዎ ትምህርታዊ ትካል ብግቡእ ምውዳብዩ።። ሃገራውን ህዝባውን ምዕባለ ኸኣ መጺኡ። ሕጂ ነብሶም ኮይኖም ንኻልኦት ህዝብታት ይሕግዙ ኣለው። ምውዳብን ምጥርናፍን ናይ ሓባር ረብሓ ዝጥምት ዕላማን ክህሉ ጥዕናዩ። ዋላ ፖለትካዊ ሰልፊ ወይ ውድብ። ማለት ምስ ኣተሓሳስባኻን ድልየተይ የማልእዩ ትብሎን። ሞያዊ መሕበራት ከም ማሕበር ሰርሕተኛታት። ማሕበራት ከምዚ ሕጂ ተኣኪብናሉ ዘለና ናይ ወጻእተኛታት መሕበራት። እዚ እቲ ብእኩብ ንማሕበራውን ባህላውን መሰለን ዕብየትን እትገብሮ መሳርሒዩ። ተሞክሮይ ገሊጸልኩም ጸኒሐ። ኣብ ፖለቲካዊ ሂወት ሽወደን ብዓቕመይ ተኻፊለ። ኣብቲ ንሃገራዊ ነጻነት ዝተኻየደ ቃልሲውን ዝኽእሎ እጃም ኣበርክተ። ንኽልትኡ ብውህደት ምሓዝዩ። ከም ዝከኣል ድማ ርእየዮን ተመኪረዮን። ሕጂውን ኣብ ሽማግልናይ ንኽልቲኡ ሒዘ እጒዓዝ ኣለኹ። ይከኣልድዩንድልየት ዘለዎስ መልሰይ እወዩ። ከምቲ ኣብ ላዕሊ ዝበልክዎ ኣብ ኤርትራ ዘለው ወገናትና ተዘይቀሲኖም ንሕና ቅሳነት የብልናን። መሰረት ዕላማ ቃልስና ኸኣዩ። ልዕሊ ኹሉ ግን ነዛ ብኽንደይ መስዋእቲ ዝተረኽበት ሃገር ክትሕደስ ዘይኮነትስ ክትባድም ንርኢ ኣለና። ጸገምና ፖለቲካዊዩ ብፖለቲካውን ህዝባውን ውዳበ ኸኣዩ ዝፍታሕ ዝብል ርእይቶ ኣለኒ። እዚ ኣብ ከም ዘለናዮ ኩነት ነቑትና ዘሎ ስርዓት ክየልገሰ ሕሰምናን መከራናን ኣየብቅዕንዩ። ኣብዚ እጃምና ክነበርክት ዝግባእዩ። ካብ ተመክሮይ እዚ ኣብ ኣስመራ ስልጣን ሕዙ ዘሎ ስርዓት:  ብዘይ ተኻፈላነት ህዝቢ ኣይተዓወተን። ዋላኳ ሕጂ እቲ መላኺ: ምርጫን ደሞክራስን ኣብ ኤርትራ ክገብር ኩንትራት ዝሃበኒ ሰብ የለን ኢሉ እንተሓሰወ: እቲ ሕቅስ መገዱ ኣይስሕትንዩ።

እቲ ሽግር ብሰራም ሽርሒ ህግደፋውያንን ኣርሒቑ ዘይርኢ መሰረት ዘይብሉ ፍልልይ ተቛወምቲ ውድባትን: ህግደፍ ንዘለእለም ዝነብር ይመስሎ ይኸውን። ግን ብደገ ብዝመጽእ ሓይሊ ይኹን ብውሽጢ ሂትለር ተሳዒሩ። መንግስቱ ሃይለማርያም ተሳዒሩ። ብዓቢኡ ጃንሆይ ተሳዒርዩ። እቲ ናይ ኤርትራ መግዛእቲ ናብ ሃገራዊ ነጻነት ዝተቐየረ: መራሕቲ ህዝባዊ ግንባር ክሳብ ክንደይ ጨለታት ምንባሮም ብዘየገድስ ብዘይ ተኻፋልነት ህዝቢ ዓወት ኣይምመጸን። ነዚ ታሪኽዚ ኣብ ዝግብኦ መድረኽ ምድያብ ናይ ኩሉና ቃልስን ምትሕብባርን ወሳኒዩ። ምሉእ ቅሳነትን ክብርን ኣብ ሃገርናን ህዝብናን ክሰፍን ምስ ሂወትና ኣተሓሒዝና ንስርሓሉ። ብዘይ ሃገር ክብረት የለን። ስደት ድማ ንሃገራዊ ጸገምና ፍታሕ ኣይኮነን። እቶም ፋሽሽታውያንሲ ”ሓደ ልቢ ሓደ ህዝቢ” እናበሉዮም ዝሽሕጡ። እዞም ቀጠፍቲ ኣብዛ ሰላማዊትን ውቅብትን ከተማኹም የቶበርግ ኣብዚ ቐረባ ግዜ ኣኼባ ኣካይዶም። ናይ ህዝቢ ኣኼባ ኢሎም ከብቅዑ ኣብ ኣኼባኦም ክካፈሉ ንዝደለዩ ኤርትራውያን ምእታው ከልኪሎም: ግዳይ ዘይሕጋውያን ኣምሲሎም ብፖሊስ ኣስጊጎም። እዚ ድዩ ”ሓደ ልቢ ሓደ ህዝቢ”። እዞም ሽቃጦ ንምትእኽካብ ስድራ: ፓስፖርት ንምሃብን ኣገልግሎት ንምርካብን ኣብ ዝሕተትሉ ኸኣ ምስ ዓቕሚ ሓደ ስደተኛ ዘይዛመድ ጠለብ ግብሪ ይጠልቡ። ነዚኦም ንዝብልዎን ዝህብዎን መመርሒ ብምእዛዝ ዘየኮነ: ዋላ ይምረር ብምቅዋሞም ኢና ናይ ሓዋሩ ፍታሕ ንረክብ። መንግስትን ሰበስልጣናትን ሽወደን ዝገብርዎ ዘለው ታሪኻዊ ጌጋ ኸኣ ንርእዮ ኣለና። ካብ እንፈትዋ ሃገርና ብሰንኪ ምልካዊ ምምሕዳሮም(ምምሕዳር ህግደፍ) ንስደት ከም ንስጣሕ ገይሮሙና ከብቅዑ: ደድሕረናን ኣብ ዘለናዮ መጺኦምን ድላዮም ኣኼባታትን ጠለብን ክገበሩ ፍቓድ ምርካቦም ክልተ ዝተራጸመ መስርሕ ሰበ ስላጣናት ሽወደንዩ። ናይ ምውዳብን ምእካብን መሰል ሕጋዊ ምዃኑ እንግንዘቦዩ። ንሽወደናዊ ዜጋ ጋዘጠኛ ዳዊት እሳቕ ዝኣሰረን ዝሸመመን ስርዓተ ህግደፍ ከም ልቡ ክሕንብጥ ምግዳፍን ብገንዘብ ግብሪ ህዝቢ ሽወደን ብዝሕገዛ  ፍጥረታት ማሕበራት ህግደፍ: ዓይንኻ ዓሚትካ ሰባት ከነውሩን ንሽወደናውያን ኤርትራውያን ከባሳብሱን ዕሽሽ ምባል ግን: ምስ ሕጋዊ መሰል ምውዳብ ሽወደን ዝምድና የብሉን። በዝስ ታሪኽ ክኽስሶምዩ።

ህግደፍ ከም ድላዮም ክዋራዘዩ ኣኽኢልዎም ዘሎ ተወሳኺ ድኽመት ከኣ ብዙሓት እንቋዎሞም ከለና ብዘይ ግቡእ ምጥርናፍና ይላገጹልና ኣለው። መንግስቲ ሽወደንን ትካላቱንውን ሕብረትና ብዘይምርኣዮምዮም ዝዘርዩና ዘለው። ሽግርና ንምፍታሕ: ሕብረትና ብውድባዊ መልክዕ ነሐይሎ። እዛ መስርትኩማ ዘለኹም ማሕበር ክሉኹም ስርሑላ። ነዛ ሲቪካዊት ማሕበርዚኣ ንምምስራትን ንምምዕባልን ዝተሓጋገዙ ዘለው ብጾት ሽወደናውያን ንውህደታዊ ስርሖም ብግቡእ ኣቕልብሉ። ምሕዝነቶም ብምኽባር ብዓጸፋ ንልዙብ ምንባር ምስ ህዝቢ ሽወደን ብውህደታውን ሰላምውን ዕላማ ምርኣዩ ኣገዳስዩ። ህግደፋውያንን መሰለቶምን ብኹሉ ኣሎ ዝበሃል መናውራ ከዕንቅፍኹም ክፍትኑዮም። ንውሽጥን ንግዳምን እናጠመትና ንምብርዓኖም ንተዓጠቕ። እዚ ክከኣል ድማ ብጉልበትን በሊሕ ኣእምሮን በርቲዕና ብጽንዓት ንቕድሚት ንመርሽ። ናይ ሎሚ ሽግርና ንናይ ጽባሕ ትንሳኤና ክኣስሮ ዕድል ኣይንሃብ።

ጽን ኢልኩም ዝሰማዕኩምኒ አመስግን።

ሓድነት ደሞክራስያውያን ይዓንብብ።

ረዘነ ተስፋጽዮን

25 ግንቦት 2017

Last modified on Friday, 26 May 2017 20:42