“…. መንግስቲ ኢትዮጵያ፡ ናጽነትን ሉኣላውነትን ኤርትራ ክረጋገጽ ኣብ ናይ 1993 ረፈረንዱም ዝወሰዶ መርገጺ፡ ብትግባረ ውሳነ ኣህጉራዊ ኮሚሽን ዶብ ከረጋግጾን፡ ብምስረታ ጽቡቕ ጉርብትናዊ ዝምድናን ሓድሕዳዊ ምክብባርን ኣብ መንጎ ክልቲአን ኣሓት ሃገራት ክዛዝሞን ይጽውዕ።

መንግስቲ ህግደፍ፡ ምርግጋጽ ዲሞክራሲያውን ሰብኣውን መሰላት፡ ምስረታ ቅዋማዊ መንግስትን ግዝኣተ ሕግን፡ ማሕበራዊ ፍትሕን ርግኣትን ኣብ ኤርትራ ከይረጋገጽ፡ ንኣብያ መንግስቲ ኢትዮጵያ ንምምልካት ዶብ ከም ረቛሒ ጌሩ ዝህቦ ምስምስ ይዅንን።” (እዚ ካብቲ ኣብ 2ይ ጉባአ ሰዲህኤ ንኣይሰላም ኣይውግእ ኩነታት ኤርትራን ኢትዮጵያን ብዝምልከት ዝወሰኖ ውሳነ ዝተወስደ’ዩ")

መራሒ ህግደፍ ኣብ 20 ሰነ 2018 መዓልቲ ሰማእታት ኣብ ዘስመዖ መደረ ካብ ዝጠቐሰን ብዙሓት ኣዛረብት ሓረጋት “ጸወታ ተወዲኡ (Game is over )” እትብል እያ። ንሱ ብዛዕባ ናይ መን ጸወታ ይሕጭጭ ከም ዝነበረ ፍሉጥ እዩ። እቲ ቀንዲ ጸወታ ተወዲኡ (Game is over) ክበሃል ዝግበኦ ግና እቲ ንሱ በቲ “ካብ ባድመ ወጻእና ማለት ጸሓይ ዳግማይ ኣይክትበርቕን እያ” ዝበሎ እሞ ደሓር መልሓሱ ዝሓየኸሉ ከይተማህረ ሎሚ ድማ እቲ “ዶብና ከይተሓንጸጸ ኣብ መኣዲ ዘተ ኣይንቐርብን ኢና” እንዳበለ ህዝቢ ከዕሽወሉ ዝጸንሐ ደሓር ከም ኣመሉ ዝጠንጠኖ ጸወታኡ እዩ።

ዝርዝር ናይቲ ኣብ ከተማ ኣስመራ ኣብ መንጎ ኢሳይያስን ዶ/ር ኣብይ ኣሕመድን ዝተፈረመ ሓድሽ ስምምዕ ክንዕዘብ እንከለና ዋላ’ኳ እታ ንውሳነ ኮሚሽን እትምልከት ሓሳብ ንፍርዲ ኣይርትዑና ጽግዕ ኢላ እንተተጠቕሰት እቲ ዝርዝር ብትሕዝቶኡ እቲ ኣቶ ኢሳይያስ ክሕሰሞ ዝጸነሓ ናይ ኢትዮጵያ በዓል 5 ነጥቢ ፖሊሲ እዩ። ኢሳይያስ “ዶብ ከይተመልከተ ኣይንዛተን ኢና” ንዝብል ናይ ካብ ክሳድ ንላዕሊ መኸተ “ብዘይቅድመ ኩነት ተቐቢልናዮ ኢና ኢሎምና እንድዮም” ብዝብል መህደሚ እንተደበሶ ምስልባጥ ናይ ቀደሙ ስለ ዝኾነ፡ እምብዛ ንህዝብና ሓድሽ ኣይመኾኖን። እቲ ዘገርም ነዚ ከም ሓቂ ወሲዶም ከመላኽዕዎ ዝፍትኑ ኤርትራዊ ወገናት ክትረክብ እንከለኻ እዩ።

ሰልፊ ድሞክራሲ ህዝቢ ኤርትራ፡ ኣብ መንጎ ክልቲኡ ህዝብታት ኤርትራን ኢትዮጵያን ክብርታቱን ልኡላውነትን ተሓልዩ ኩለመዳያዊ ሰላማዊ ዝምድናን ምትሕግጋዝን ክፍጠር ይድግፎ‘ዩ ጥራይ ዘይኮነ፡ ክቃለሰሉ ከም ዝጸንሓ እቲ ኣብ መቕድም ናይዚ ርእሰ-ዓንቀጽ ካብ መደብ ዕዮኡ ተቐንጭቡ ሰፊሩ ዘሎ ሓሳብ ብቑዕ መረዳእታ እዩ። ካብዚ ሓሊፉ ሰዲህኤ እቲ ዝምስረት ዝምድና ቀጻልን ዘተኣማምንን ንክኸውን ኣብ ሃወኽሃወኽ ዘይኮነ ኣብ ድልዱል ባይታ ክስረት ኣብ ድሌት ህዝቢ ዘድሃበ ክኸውን ከም ዝግበኦ ይኣምን።

ኩልና ከምዘይንስሕቶ ኣብ ገዛእ ሃገሩ ሰላማዊ ዘይኮነ ስርዓት ምስ ጐርባብቱ ዝምስርቶ ሰላም ዘተኣማምን ክኸውን ኣይክእልን እዩ። ብመንጽርዚ መንግስቲ ኢትዮጵያ ስርዓት ኢሳይያስ ኣብ ዓዱ እንዳመቑሐን እንዳቐተለን፡ ቅርዑይ ምምሕዳር እንዳነፈገ፡ ፍትሒ እናኸለአ፡ ብዘይሕገመንግስቲ እንዳገዘአ፡ ሰብኣውን ዲሞክራሲያውን መሰል ዜጋታቱ እንዳጋሃሰ ከመይ ዓይነት ዓርኪ ክኾኖ ይሓስብ ከም ዘሎ እንድዒ።

ሰዲህኤ ጉዳይ ኤርትራን ኢትዮጵያን ክውዳእ ዝደልየሉን ዝቃለሰሉን ምኽንያት፡ ስርዓት ህግደፍ ካብ ለውጢ ንክሃድም ተሓቢእሉ ዝጸንሐ በዓቲ ብምዃኑ እዩ። እቶም ንህግዲፍ ከመላኽዕሉ ዝጸንሑ ደጊም ዝብልዎ እንድዒ። ክሳብ ሕጂ ኣገዳስነት ለውጢ ኣብ ኤርትራ ከተምጸኣሎም እንከለኻ “ኣብ ደረጃ ኣይውግእ ኣይሰላም እንከለኻ ከይመይ ጌርካ እዚ ሕቶ’ዚ ይለዓል” ዝብል መመሳመሲ ምኽንያት እዮም ከቕርቡ ጸኒሖም። ድሕሪ ሕጂ’ውን ዝስናዕ መመሳመሲ ኣይሰኣንን ይኸውን። እንተኾነ ድሕሪ ሕጂ ዝመሃዝ መሕብኢ በዓቲ እምብዛ ከምዘየዕቅል ፍሉጥ እዩ። ስለዚ ኢና ከኣ “ደጊም ናይ ምስምስ መጋረጃ ተቐሊዑ እዩ” እንብል።

ኣብ ኤርትራ ካብ ነዊሕ ግዜ ጀሚሩ ዝካየድ ዘሎ ናይ ኣእላፍ ጀጋኑ መስዋእቲ ዝተኸፍለሉ ቃልሲ፡ ምእንቲ ሰላም፡ ደሞክራሲ፡ ልምዓት ፍትሒ፡ ልዕልና ህዝብን ፍትሕን …. ወዘተ ምስቲ ኣብ መንጎ ኤርትራን ኢትዮጵያን ተፈጢሩ ዝጸንሐ ጸገም ክደባለቕ የብሉን። ብዙሓት ነቲ ኣብ ኤርትራን ህዝባን ተዳዕኒኑ ዘሎ ከቢድ ጸገም ጋሊሆም ክርእዩ ዘይከኣሉ ወይ ርእዮም ከም ዘይረኣዩ ክኾኑ ዝደልዩ፡ ነዚ ምስ ኢትዮጵያ ጀሚሩ ዘሎ መዓልብኡ ዘይፍለጥ ዝምድና ተተርኢሶም ኤርትራን ህዝባን ኩሉ ጸገሞም ከም ዝተገፈፈ ገይሮም ክወስድዎ ትዕዘብ ኢኻ። ግደ ሓቂ ግና ኤርትራዊ ዘቤታዊ ኣጀንዳን ጉዳይ ኤርትራን ኢትዮጵያን ይጸላለዉ ደኣ እምበር ናይቲ ሓደ ፍታሕ ንናይቲ ካልእ ፍታሕ ኣይትከኦን እዩ።

ስለዚ ህዝቢ ኤርትራን ናይ ለውጢ ሓይልታቱን፡ ነቲ ምስ ኢትዮጵያ ዝፍጠር ዘሎ ሰላም “ሓደ በለለይ” ኢሉ ዓቂቡ፡ ናብቲ ቀንዲ ዜቤታዊ ጉዳዩ ከድህብ ኣለዎም። ነቲ ተበጺሑ ዘሎ ደረጃ ግቡእ ክብደቱ ሂቡ ከይተዛነየ “ደጊም ናብቲ ቀንዲ ጉዳይና” ክብል ይግበኦ። ስርዓት ህግደፍ ነዚ ብኢትዮጵያ ዝቕረበ ሓሳብ ሰጥለበጥ ኢሉ ዝተቐበሎ ፈትዩ ዘይኮነስ፡ ካብቲ እምቢ እንተ ኢሉ ዝወርዶ መቕጻዕትን ተነጽሎን፡ ተቕቢልካ ዝመጽእ መዓት ምቕባል ይሓይሽ ብዝብል ናይ መጻብቦ መንፈስ እዩ። ጥዑይ ምምሕዳር መንግስቲ እንተዝነብር ግና ካብ ተጽዕኖ እቲ ጸሚዱ ዝሓርሶም ዘሎ ሓይሊ ወጻኢ፡ ተጽዕኖ ህዝቡ ክኸብዶን ከፍረሖን መተገበአ። ጉዳይ ህግደፍ ግና ብግልባጡ እዩ። ስለዚ እዚ ንርከበሉ ዘለና ህሞት፡ ህዝቢ ኤርትራ “ደጊም ናይ ምስምስ መጋረጃ ተቐሊዑ እዩ” ዝብል መኸትኡ ከተርንዕ ዝጥለበሉ ዘሎ ውሳኒ ወቕቲ እዩ።

15.07.2018

ኣብዚ ዘሎናዮ መበል 21 ክፍለ ዘመን ውግእ ብዝኾነ ይኹን ምኽኒት ክባራዕ ዘይግበኦ እዩ። ይኹን እምበር ሰላም ዝጸልእ ሓይሊ ወትሩኣብ ውግእን ወረ ውግእን ምንባር እዩ ዝመርጽ። ዘለናዮ ግዜ ግን ናይ ሰላምን ሓቢርካን ተኸባቢርካን ምንባርን እዩ።ጉዳይ ኤርትራ፥ ካብ ግዜ ኣርበዓታት ኣትሒዙ ሕምስምስ ዝበለ ከምዝነበረ ብኡ መሰረት ድማ ሓያላን መንግስታት ዝወሰድዎ ኣገባብንኤርትራ ኣድምይዋ እምበር ኣየርበሓን። ህዝቢ ኤርትራ ኣብቲውሽጣዊ ዝምድናኡ ዱልዱል ዝነበረሉ እዋን እቲ ንኤርትራ ናብኢትዮጵያን ናብ ሱዳንን ከመቓቕልዋ ዝወጠንዎ ኣይኮነሎምን። እንታይ ደኣ ብሓደ ኢድ ኮይኑ ሃገራውነቱ ተኸላኺሉ ካብ ምምቃልኣድሒንዋ እዩ። ይኹን እምበር ሓድነትህዝቢኤርትራ ንምልሕላሑ ዘይተፋሕሰ ገመድ ኣይነበረን። እስላምን ክርስትያንን ኢሎምክፈላልዩን ኣብ ነንሓድሕዱ ስምምዕ ስኢኑ ክቃተል ብዙሕ ተሰሪሑ እዩ። እተኾነ እዚ ኣብ ህዝቢ ኤርትራ ቦታ ኣይነበሮን ምኽንያቱ እቲህዝቢ ሓው ብምዃኑ ብቐሊሉ ዝጸዓድ ስለዘይኮነ ሓድነቱ ኣይፈረሰን።

ልክዕ እዩ ህዝቢ ኤርትራ ድሌቱ እንታይ ምዃኑ ከይተሓተን በቲ ዝኸይድ ዝነበረ መናፍሓት ገለ ክፋል ህዝቢ ኤርትራ ምስ ኢትዮጵያብምጽጋዕ እዩ ድሕነት ዝርከብ ካብ ዝብል መንፈስ ሰዓብቲ ክረኽቡ ዝጉስጉስሉ ዝነበረ ንምጽንባር ኤርትራን ኢትዮጵያን ዝድግፍ ሓይሊተወዲቡ። ዋላ ምስ ኢትዮጵያ ኣንድነት ምስ ተገብረ እውን እንተኾነ እቲ ህዝቢ ኣብ ነንሓድሕዱ ከምዚ ሎሚ ዝተፋነን ዘሎኣይተተፋነን። በንጻሩ እኳ ደኣ ደገፍትን ተቓወምትን ኣንድነት ኣሓዋት ብምዃኖም ኣብ ሃገራውነቶምሲ ኣይተፈላለዩን።ስርዓት ሃይለስላሴ ንኽሉ እቲኤርትራዊ ክብርታትን መለለይታትን ኣብ ምድምሳስ ገጹ ምስ ኣድሃበ፥ ብደውና ኢድና ኣይንህብን ብማለትብረታዊ ቃልሲ ብተጋድሎ ሓርነት ኤርትራ ተጀመረ። ህዝቢ ኤርትራ ብሓባር ተቓሊሱ ድማ ናይዛ ሃገር ልኡላውነት ኣውሒሱእዩ።እንተኾነ ግን እቲ ፖለቲካዊ ፍልልያትን ምስኡ እውን ናይ መን ዓብለለ ግርጭታትን ፈኸም እናበለ ክሳብ ኣብ ምፍንጫል ተበጽሐ። ህዝባዊ ግንባር ድማ ምስ ህዝባዊ ወያነ ሓርነት ትግራይ ተመሓዝያ ንሓደ ክፋል ኤርትራዊ ሃገራዊ ሓይሊ ካብ ሜዳ ኤርትራ ከም ዝወጽእ ገይራ።

ውግእ ኩሉ ግዜ መስሓቲ ስለዝኾነ ንስልጣንካ ክትብል ዋላ ምስ ሰይጣን ክትመሓዞ ትኽእል ኢኻ። ህዝባዊ ግንባር እምበኣር ከምኡ እያገይራ። ፍረ እቲ ውግእ እቲ ድማ መሰረት ናይቲ ከሎ ገና ዝዓኲኽ ዝነበረ ምልክነት እዩ ነይሩ። ብዝኾነ ውግእ ፈጺሙ ሰላም ኣየምጽእንእዩ። ሰላም ዘምጽእ እንተዝኸውን ነይሩ እዚ ኣብ ከባቢና ዝካየድ ዘሎ ውግኣት ሶርያ፥ የመን፥ ዒራቕ፥ ሊብያ ወዘተ ህያው ምስክር እዩ።

ኣብ ዓለምና ብውግእ ክንደይ ሰብ መዓልታዊ ይሃልቕ ኣሎ፥ ክንደይ ንብረትን ኣባይትን ይዓኑ ኣሎ ኣዲኡ ትቚጸሮ። ርሑቕ ከይከድና እዚኣብ መንጎ ኤርትራን ኢትዮጵያን ዝተኻየደ ናይ ዓናትር ውግእ እንታይ መኽሰብ ተረኺብዎ።? ዝተረኽበ ክሳራ እምበር መኽሰብ የልቦን። እንከሎ ገና ኣብ መንጎ እቶም ክልተ መራሕቲ መለስን ኢሰይያስን ናይ ሰላም ስነሓሳብ ዘይኮነስ ናይ ውግእ ስነሓሳብ ስለዝነበሮም ኣነዶ በዚክዕብለል ብማለት ካብ ህልኽ ዝተላዕለ ኣብ ዘይተኣደነ ዕንወት ተበጺሑ። ውግእ እምበኣር ብዝኾነ ይኹን መለክዒ ናይ ክተንበርክኽምድላይን፥ መን ከማይን ዝብል ጸብለልትነትን ኣነነትን እተርእየሉ እዩ።

ብፍላይ ኣብዚ መበል 21 ክፍለ ዘመን ውግእ ዝበሃል ህጣሙ ክጠፍእ ዘለዎ እዩ። ምኽንያቱ ሎሚ ዓለም ካብቲ ቅድሚ ሎሚ ዝነበሮብተክኖሎጂ ይኹን ብስልጣነን ትምህርትን ማዕቢሉ ስለዝኾነ ሰላም እምበር ውግእ ተመራጺ ኣይኮነን። ውግእ ኣብራሲ እምበር ኣፍራዪኣይኮነን። ከም ኣብነት እቲ ኣብ ኣዲስ ኣበባ መስቀል ኣደባባይ ዝተፈንጀረ ቦምብ ንሰላማዊ ሰልፊ ደው ከብሎ ኣይከኣለን፥ እንታይ ደኣሰላማዊ ሰልፊ መሊሱ ሓኒኑ።

ስለዚ ውግእ ንወዲሰብ ናብ ምዕቡል ኣተሓሳስባን፥ ንስልጣነን ከየድህብ ዝዓግት ጸድፊ እዩ። ሕጂ እውን እንተኾነ ነዚ መላኺ ሰርዓትኣስመራ በቲንሱዝደልዮ ውግእ ዘይኮነስ ብስላማዊ ኣገባብ ሕቚኡ ክንምስሶ ይከኣል እዩ። ምኽንያቱ ሰላማውን ዲሞክራስያውን ኣገባብቃልሲ ንዕምሪ ምልኪ ኣሕጺሩ ስልጣን ዋንኡ ህዝቢ ምዃኑ ዘውሕስ ስለዝኾነ። ስለዚ ኩልና ደምበ ተቓውሞ ተሰማሚዕና ሓባራዊስራሓት እንተኣካይድና ህዝቢ ኣብ ጎንና ክኸውንን ስለ ኽእል እቲ ህዝባዊ ናዕቢ ክቀላቐል ይኽእል። ነዚ ከኣ ውግእ ዘይኮነስ እቲ ኣብ ኢዱበዘይ ገለ ዋጋ ክረኽቦ ኩሉ ክዕጠቐሉ ዝኽእልን ሰላማዊ ኣገባብ እዩ። ሰላማዊ ኣገባብ ክበሃል እንከሎ ኢድካን እግራኻን ኣጣሚርካ ምጽባይዘይኮነስ ብርቱዕ ጻዕርን ንጡፍ ስራሓትን ይሓትት። ሓደ ካብኡ ሓድሕዳዊ ምስምማዕን ምትእምማንን ሓቢርካ ምስራሕን እዩ። እዚርኽክባት ድማ ዋላ ምስቶም ደገፍቲ ህግደፍ ከይተረፈ ክግበር ዘለዎ እዩ፥ ደቂ ሃገር ስለዝኾኑ። ምኽንያቱ ጽባሕ ንግሆ እታ ሃገር ናይኩልና ደገፍትን ተቓወምትን እያ ክትከውን እምበር ተቓዋሚ ዝንጸገላ ወይ ዝሕረመላ ሃገር ክትከውን ኣይኮነትን። ስለዚ ሕልናና ናይዕርቅን ሰላምን ሕያውነትን ምድንጋግጽን ክጥጥዕ ይግበኦ።

ደቂ ኣንስቲዮ ኤርትራውን ምትእኽኻብ ደንሃግ ኣብ ሞንጎ ኤርትራን ኢትዮጵያን ዝክይድ ዘሎ ምዕብልናታት ዓሚቝ ገምጋም ኣካይድና ነዚ ኣወንታዊ ምዕብልናታት ኢትዮጵያ ኣመልኪትና እዚ ዝስዕብ ሚዛን ኣንቢርና::

ኣብ ኢትዮጵያ ከም ተግባራዊ መግለጺ ናይ`ዚ ሓዲሽ መድረኽ`ዚ ዝኸፈቶ ህጹጽ ታሪኻዊ ዕማማት ንምስልሳል ብመራሕ መንግስቲ ኢትዮጵያ ዶ/ር ኣብይ ኣሕመድ ንውሻጣዊ ጸገማት ንምትህድዳእን ንምእላይን ቀዳምነት ብምሃብ ጽዑቅ ወፍሪ ኣብ ምክያድ ጸሚዱ ይርከብ። ኣብ ጐድኒ`ዚ ውሽጣዊ ጽዑቅ ጻዕሪ፡ ነቲ ኣብ ዞባና ንማእለያ ዘይብሉ መዋእላት ተዋህሊሉ ዝጸንሔ ዘይቅሱን ኣተሃላልዋ ብምርግጋእ ሰናይ ድልየቱ ዘንጸባርቅ ጻወዒት ኣቕሪቡ:: ብፍላይ ድማ ነቲ ቅድሚ ክልተ መዋእል ኣብ መንጐ ኤርትራን ኢትዮጵያን ዝተባረዐ ኣዕናዊ ናይ ዶብ ውግእን ዝፈጠሮ ኣይውግእ ኣይሰላም ኩነታት ብመሰረት ስምምዕ ኣልጅርስን ብይን ኣህጉራዊ ኮሚሽን ዶብን ንምፍታሕ ቅሩብነቱ ኣዊጁ ብኣካል ኤርትራ ኣትዩ ከም ዝትፍራርመ ኣብ መርባብት ዜና ተቃሊሑ::

ህዝቢ ኤርትራ ሓለፋ ካልኦት ኣህዛብ ምእንቲ ሰላም ከቢድ መስዋእትን ሰማእታትን ዝኽፈለ ህዝቢ ከም ምዃኑ መጠን ንሰላም ኢዱ ዘርጊሑ ብሃንቀውታ`ዩ ዝቅበሎ። ስለዝኾነ ድማ ብርግጽ ነቲ ኣብ መንጐ ናይ ዶብ ጸገማትን ምርግጋእን ዝተናወሐ ዕማም ዘላቒ ሰላም ዘሎ ፍልልያት ኣጸቢቁ`ዩ ዝርዳእ። ጉዳይ ዶብ ብመሰረቱ እዚ ኩሉ ምድማይን ናዕብን ዘስዓበ ኣዕናዊ ውግእ ወጻኢ ካብ ምቁጽጻርን ድልየትን ህዝቢ ኤርትራን ኢትዮጵያን ዝተባረዐ`ዩ ነይሩ። እንተኾነ ኣብ ክሊ`ዚ ተፈጢሩ ዘሎ ምዕባሌታት ምናልባት ጉዳይ ዶብ ምፍታሕ ብዝዋሓደ ነቶም ኣብ ብስም ገደብ ዘይብሉ ወተሃደራዊ ኣግልግሎት ኣብ ፈቀዶ ዕርድታት ዶብ ንሓደጋታት ተሳጢሖም ዝርከቡ መንእሰያት ናይ ምጥያስ ዕድል ክረኽቡ ይኽእሉ፡ ብተወሳኺ ኩሎም`ቶም ብሰንኪ ኣብ ኤርትራዊ-ኢትዮጵያዊ ዶብ ዝተኻየደ ውግእ ካብ መሬቶም ዝተዘናበሉን ዝተፈናቀሉ ዜጋታት ክልቲኡ ሃገራት ዘሕልፍዎ ዘለዉ ሐሳረ-መከራ መዕርፎ ይግበረሉ ይኽወን ዝብል ትምኒትን እምነትን ምርኩስ ብምግባር ብትሪ ንድግፎ። እንተ ብዛዕባ ዘላቒ ስላም ዝምልከት ርእይቶናን መርገጽና ኣብዚ ዝስዕብ እምንቶ መሰረት ዝገበረ ምኻኑ ንገልጽ::

ዘላቒ ሰላም ብኣረዳድኣና ኣብ እስትራተጂ ዝተናወሐ መስርሕ ኣብ ክልተ ሃገራት ኤርትራን ኢትዮጵያን ክማላእን ክረጋገጽን ዘለዎ ማሕበራውን ቁጣባውን ትሕተ-ቅርጻዊ ምዕብልና ከም ቅደመ-ኩነት ድኣ`ምበር ብውሳኔ ኣብ ስልጣን ዝርከቡ ሰርዓታት ዝረጋገጽ ኣይኮነን። ስለዚ ጉዕዞ መስርሕ ዘላቒ ሰላም ኣብ ኤርትራ ክጅመር እንትድኣ ተደልዩ መሰረታዊ ለውጢ ኣብ ኤርትራ ክተኣታቶ ኣለዎ። ስለዝኾነ ድማ እዚ ኣብ ታሕቲ ቀሪቡ ዘሎ ቅድመ ተደላይነት
ክማላእ ኣለዎ ዝብል እምንቶ ኣሎና::

1. ኩሎም ናይ ፖለቲካን ናይ ሕልና እሱራትን ነጻ ምውጻእ

2. ገደብ ኣልቦ ወተሃደራዊ ኣገልግሎት ደው ይበል

3. ሰብእዊ መሰላት ምኽባር

4. ነጻ ፕረስ መራኸቢ ብዙሓን ሞያዊ ስርሖም ብነጻ ምክያድ

5. ጉዳይ ዶብ ንምፍታሕ ተጀሚሩ ዘሎ ዘተ ምቅጻልን ዝምልከቶ ህዝቢ ምስታፍን

6. ፖለቲካዊ ሰልፋታትን ውድባትን ስቪካዊ ማሕበራት ብነጻ ምንቅስቓስ

7. ስደተኛታት ኤርትራውያን ንሃገሮም ንክምለሱ ጻውዒትን ዘድሊ ምትሕባር ምግባር

8. ዓበይቲ ወሰንቲ ሃገራዊ ጉዳያት ንምዝታይ ሃገራዊ ዋዕላ ምክያድ

9. ዝምድና ምስ ኩለን ጐረባብቲ ሃገራትን ዞባውን ኣህጉራውን ሃገራት ምሕዳስ

ስለዚ ኣብዚ ተሃዋሲ ወሳኒ መድረኽ`ዚ ተፈጢሩ ዝርከብ ኣገዳሲ ምዕባሌታት ኣብ ረብሓ ሃገርናን ህዝብና ምእንቲ ክውዕል፡ ካብዚ ሒዝናዮ ዝጸናሕና ናይ ብማዕዶ ምዕዛብ መርገጽ ወጺእና፡ ቀንዲ ተዋሳእቲ ናይ`ዚ ተረኽቦታትን ምዕባሌታትን ብምዃን ኣድማዒ ሃገራዊ ኣስተዋጽኦና ንምዕማምን ናይ ኩሎም ሃገራውያን ሃይልታት ታሪኻዊ ሓልፍነት`ዩ። ስለዝኾነ ድማ ንሕና ደለይቲ ፍትሒ ኤርትራውያን ደቂኣንስትዮ ኣብ ኣውሮፓ ንርከብ ነቲ ኣብ ኢትዮጵያ ተፈጢሩ ዝርከብ ሓዲሽ ምዕባሌታት ኣብ ህልዊ ኩነታት ሃገርና ክህልዎ ዝኽእል ሳዕቤናትን ጽላዋታትን ብዝምልከት ርእይቶናን መርገጽናን ዝንጽር ጽሑፍ ነቕርብ። ኣብ ዝሓለፈ ዕስራን ትሻዓተን ዓመታት ኤርትራውያን ደቂኣንስትዮ ድሕሪ ህዝቢ ኤትራ ሃገራዊ ናጽነቱ ምርግጋጽ፡ ንሰብኣዊ መሳላት ዘየኽብር፡ ብፖለቲካዊ ብዙሕነት ማሕበራዊ ፍትሒ ዘይእምን ብቅዋም ዘይሰርሕ ኣብ ሕቆ ህዝብና ዝተጻዓነ ምልካዊ ስርዓት ህግደፍ ዝፈጠሮ ወጻዕን ግፍዓውን ኣስካሕኪ ኣተሃልዋ ሓለፋ ካልኦት ማሕበራዊ ሓይልታት ዝተሳቐናን ንሐሳረ-መከራ ዝተሳጣሕናን ኣካል ሕብረሰብና ምኻና ህያው ተርእዮ እዩ። ስለዚ ኤርትራውያን ድቒኣንስትዮ ነቲ ናይ ክልቲኡ ኣህዛብ ኣብ ኤርትራን ኢትዮጵያ ልምዓትን ዕብየትን ምዕብልናን ንኽልተ መዋእል ዝኣክል ዝገተአ ኣይሰላም ኣይውግእ ኩነታት ኣብ ምርጋግእን ምፍታሕን ብፍላይ፡ ዝተናወሐ መስርሕ ዘላቒ ሰላም ኣፍ-ደገ ኣብ ዝኽፈት ሓዲሽ ተርእዮታት ዝለዓለ ረብሓታት ስለዘሎና ብትሪ ንድግፎ።

እንተኾነ ዝኾነ ይኹን መስርሕ ዘላቒ ሰላምን ካልእ ናይ ዶብ ጸገማት ንምእላይ ዝካይድ ጻዕርታትን ዝምድና ክልቲኡ ሃገራት ንምሕዳስ ሓዲሽ መድረኽ ምኽፋት ውሕስነት ክህልዎ ዝኽእል ዕዙዝን ኣድማዕን ሱታፈ ዝሰፈሐ ህዝብታት ክልቲኡ ሃገራትን ብፍላይ ድማ ደቂ ኣንስትዮ ምስዝህልዎዮ እዩ :: ነዚ ወሳኒ ረቋሒ`ዚ ኣብ ግምት ዘእተወ ክኽውን ነተሓስስብን ንጽውዕን

 ካብዚ ሓቅታት`ዚ ብምብጋስ ኣብዚ ታሪኻዊ ወሳኒ መድራኻት ኩልና ኤርትራውያን ደለይቲ ፍትሒ ሓይልታት ምእንቲ ኣብ ሓደ ሰፊሕ ሃገራዊ ግንባር ተጠርኒፍና ክንቃለስ ንተፈጢሩ ዘሎ ምዕባሌታት ብሓባር ንምግጣምን ንምምካት ክንበቅዕ ሃገራዊ ዋዕላ ብህጹጽ ንምክያድ ንዕድም። ብተወሳኺ እዚ ጻዊዒትና'ዚ ኣብ ዝቀልጠፈ እዋን ክሳለጥ ኩልና እጃምና ክነልዕል ነተሓሳስብ።

እብ መውዳእታ ኩሎም እቶም ሰብኣዊ መሰላት ኣብ ኤርትራ ክኽበርን ዲምክራስያውን ፍትሓውን ስርዓት ንምርግጋጽ ወትሩ ደገፍትናን ደለይቲ ሰላምን ፍትሕን ሃገራትን ስልፍታትን በርገሳዊ ማሕበራትን ኣህጉራውን ዞባውን ሓይልታት ውልቀ-ሰባትን ብሓፈሻ፡ ከምኡውን ሓው ህዝቢ ኢትዮጵያን መንግስታትን ሰልፍታት ተጣበቅቲ ሰብኣዊ መሰላትን ስቪካዊ ማሕበራት ኣብዚ ናይ ታሪኻዊ መቐይሮ መድረኽ ሓለፋ`ቲ ክግበረልና ዝጸነሐ ምሕዝነታዊ ደገፋት ብዝያዳ ነዚ ኣብ ላዕሊ ኣቅሪብናዮ ዘሎና ናይ ሰላም ረቃሒታት ንምርግጋጽ ክተሓባበሩና ንጽውዕ::

ዓወት ንዲምክራስያውን ፍትሓውን ቃልሲ ህዝቢ ኤርትራ

ዓወት ንምቅስቓስ ኤርትራውያን ደቂ-ኣንስትዮ

ዘልዓለማዊ ዝኽርን ክብርን ንሰማእታትና

ኣነስ ኩሉ ጊዜ ዝጥርጥሮን ጸጸኒሑ ዝግበርን ዝበሃልን ድማ ነቲ ጥርጠራይ ሓቂ ዘምስሎን የጋጥመኒ። ጥርጠራይ ጌጋ ክኸውን፥ ኣነውን ተጋግየ ነይረ ኢለ ብታሕጓስ ክዛረብ ከብቅዓኒ ትምኒተይ ኢዩ። መንግስቲ ኢሳያስ ኣበይ ገጹ ይመርሓና ከምዘሎ ኣብ ዝሓለፈ እዋን ኣብ ፌስ ቡክ ገሊጸ ነይረ። ኣብ’ዚ ቀረባ እዋን ድማ ነቲ ጥርጠራይ ዝድግፍ ኣስተብሂለ።

ኣብ ከባቢ 2004-5 ኣቢሉ ይመስለኒ፥ ጆን ጋራንግ (ናይ ደቡብ ሱዳን ሓርነታዊ ምንቅስቓስ መራሒ ዝነበረ) ንካርቱም ክበጽሕ መጸ። ኣብቲ እዋን`ቲ: ደቡብ ሱዳን ብፍሉይ ውዕል ምስ ሱዳን ክትቅጽል ዲያ ወይ ክትፍለ ንተኸታተልቲ ኣዝዩ ንጹር ዘይነበረሉ እዋን ኢዩ ነይሩ። ጆን ጋራንግ ናብ ካርቱም ምስ መጸ፤ ኣብ ታሪኽ ናይታ ሃገር ተራእዩ ዘይፈልጥ ብዙሕ ህዝቢ ተቐበሎ። እቲ በዚ ዝተገረመ ጆን ጋራንግ ድማ ዘረባኡ ”እዚ ሪፈረንዱም ኢዩ” ብምባል ከፈተ። እዚ ኣዘራርባዚ ክትርጎም እንከሎ፤ ህዝቢ ሓደ ሃገር ክንከውን ከምዝደለየ ዘመልክ እዩ ማለቱ ከምዝነበረ ኢዩ ዝውሰድ። ድሕሪ`ዚ ዑደት ግን ብዙሕ ከይጸንሐ፤ ምስጢራዊ ኣኸባ ምስ መራሕ ኡጋንዳ ድሕሪ ምክያዱ ሄሊኮፕተሩ ወዲቓ (ወይ ተወቒዓ ክትከውን ትኽእል) ሞተ።

ነዚ ምምጽአይ፤ ዶ/ር ኣብይ ኣሕመድ ኣብ ኣስመራ መጺኡ ናይ ድራር ዕድመ ተገይሩሉን ኣብቲ ኣጋጣሚ ከኣ ተዛሪቡ፤ ናይ ዶ/ር ዘረባ ሎሚ ኣብ ዝኸዶ ከይዱ እንታይ ከም ዝብል ማንም ዝግምቶ ኮይኑ ስለዘሎ ምድጋም ዘድልዮ ኣይኮነን። ዶ/ር ኣብይ ነቲ ኣቀባብላ ኣመልኪቱ ”እዚ ሪፈረንዱም ኢዩ” እንተዝብል ኣይምገረመንን፥ ጋሻ ተዓዳማይ ንሱ ስለዝኾነ፤ ዓዳማይ ከምኡ ክብል ግን ዘይገመቶ ተርእዮ ከምዝኾነ ስለዘመልክት፤ ምስ ኢሳያስ ዝኸይድን ዝሰማማዕን ኣይመስለናን። ግን እስከ ነስተብህል።

እቲ ዘስተብሃልኵዎ ኣብ ዘረባ ኢሳያስ ኢዩ ነይሩ። ከምዚ ድማ በለ፤ ”ሎሚ ኣብዚ ጽርግያ ህዝቢ ዝገበሮ መግለጺ ካልእ ዘረባ ኣየድልዮን ኢዩ፥ ወሰኸውን ኣየድልዮን ኢዩ”። ቅድሚ ምውድኡ፥ ካብቲ ናይ ምግላጽ ኣበሃህላኡ ነቒለ፤ ”እዚ ሪፈረንዱም ኢዩ!” ክብል ተጸብየ ነበርኩ ። ኣይበላን !! ኣብ መልሓሱ ከምዝነበረት ግን ተሰሚዓትኒ (ትደልይኦሞ ይዝንግዓክን እንዲና እንብል) ድሒሩ ድማ፥ ነቲ ናይ ህዝቢ ኣቀባብላ፤ ”…ብፍኑው መገዲ መቆጻጸሪ ዝሰኣነ ናይ ሓቀኛ ስምዒት መግለጺ ተርእዮ….” ክብል ነቲ ዘይፍኑውን ኣብ ትሕቲ ቁጽጽሩ ዝነበረ ህዝብና፤ ነዛ ዕድል እዚኣ ንከካይድ ብምፍቃድ ነቲ ንሱ ዝደልዮ መልእኽቲ ኣመሓላለፈ።

ምስ ጎረባብትና ብሰላምን ምክብባርን ”ፍቕርን” ክንነብር ከም ኩሉ ኣህዛብ ድልየትና ከምዝኾነ ኣብ ቦትኡ እንከሎ፤ እዞም፥ ብፍላይ ኣርብዓታትን ሓምሳታትን ዓመታት ዝተቓለስና (እንኮላይ ኣብ ህዝባዊ ግንባር ዝነበሩ) እሞ ኣብ ምቅዋም እንርከብ፤ ከምኡውን እቶም ድሒሮም ነቲ ስርዓት ዝተረድእዎን፤ ኢሳያስ ዲሞክራስያዊ ስርዓት ተኺሉ ከሳትፈና ኢዩ ዝብል ኣተሓሓሳስባ እንተድኣ ሃልዩና፤ ንሓልም ኣለና ማለት ኢዩ። ነዚ ኩሉ ዝርዝር ገበናት ዘካየደ ሰብ፤ ግደፍዶ ካብ ሰብ: ብድምጺ ሃመማ ዝደሃል ክኸውን ባህርያዊ ኢዩ። ኢሳያስ ስልጣኑን ዕድሜኡን ክናዋሕ እንተኾይኑ፤ ብፍላይ ኣብ ከምዚ ሕጂ ተፈጢሩሉ ዘሎ ኩነታት፤ ንቕድሚት ገጹ ኢዩ ክሃድም፤ ምስኡ ድማ ንመዳምቕቱን ሃገረ ኤርትራን ለኪሙ ኢዩ ክኸይድ። ስለዚ ተቓወምቲ ኢና እንብል ኩላህና፥ ወይ ከምሓዲሽ ካብ ነፍሰፍትወትን ንኡሳን ፍልልያትን ናጻ ብምዃን ነፍስና ሰሪዕና መርሕነትና ነቑም። ነዚ ወይ ካልእ ዝሓሸ ኣማራጺ ረኺብና ተቓውሞና ከነደልድል እንተዘይክኢልና ግን ዘሎና ምርጫ (ፈቲና ጸሊእና) እቶም ኣምሓርኛ ዘይተመሃርና ከሎ ገና ንመሃሮ። ካብዚ ንላዕሊ ዝኸብድ መጠንቀቕታ ክህብ ዓቕሚ የብለይን። ብዘይካ ፖለቲካዊ ውድባት፡ ፋሕ ዝበለ ናይ ሰቪካዊ ማሕበራትን ናይ ውፉያት ውልቀሰባትን ጻዕርታት ክካየድ ከምዝጸንሐ ርኢና ኣለና፥ ሕጂ ዝድለ ዘሎ ናይ ኩሉ ናይ ሓባር ስራሕን ጥርናፈን ኢዩ፤ እታ ዘይተዓደገት ጤል ኣበይ ትተኣሰር ከም ዝበሃል ኮይና ከይትተርፍ።

ቅድሚ 20 ዓመታት ኣብ መንጐ ኤርትራን ኢትዮጵያን ዝተኻየደ ዘይተደላዪ ደማዊ ውግእ፡ “ስለምንታይ ተኻይዱ?” ዝብል ሕቶ ክሳብ ሕጂ ምሉእ ብምሉእ ከይበረሀ ጸኒሑ። ኣብዚ እዋንዚ ግና ብውሕዱ እቲ ቀንዲ ምኽንያት ንጉልባብ ዝቐረበ እምበር ጉዳይ ዶብን መሬትን ከምዘይነበረ ክበርህ ክኢሉ ኣሎ። እዚ ውግ እዚ ኣብ’ዚ ዝቀረባ ግዜ ኣብ ኣፍሪቃ ካብ ዝተኻየዱ ውግኣት እቲ ዝዓበየ ምንባሩ ብዙሓት ናይ ውግእን ሳዕቤናቱን ኣፍልጦ ዘለዎም ኣካላት ኣረጋጊጸምዎ እዮም። ናይ ሓደ ውግእ ግዝፈት ካብ ዝልከዓሉ መምዘንታት ሓደ ናይቲ ዘውርዶ ጉድኣት ዕምቆትን ስፍሓትን እዩ። እዚ ውግእ እዚ ኣዝዩ ከቢድን ኣኽሳርን ምንባሩ ንሕና ኤርትራውያን ኣካሉ ስለ ዝነበርና ምርምር ንጽበየሉ ኣይኮነን።

ብሰንክ’ዚ ብዙሓት ወገናት ተዓዘብቲ “ኣድላይ ዘይነበረ” ዝበልዎ ውግእ፡ እቲ ካልእ ገዲፍካ በቲ እዉጅ ኣገባብ ከም ዝተሓበረ፡ ብወገን ኤርትራ ጥራይ 19 ሺሕ መንእሰያት ተሰዊኦም። ብዙሓት ህጻናት ዘኽቲሞም፡ ኣሸሓት ሰንኪሎም፡ ኣሸሓት ኤርትራውያን ኣብ ውሽጢ ሃገርን ወጻእን ተመዛቢሎም። ማእለያ ዘየብሉ ንብረቶም ባኺኑ፡ ነዚ ደማዊ ውግእ ንምክያድ ኣብ ካልእ ልምዓታዊ ስረሓት ክውዕል ዝግበኦ ዝነበረ ገንዘብን ንብረት በሪሱ፡ ዳርጋ ርብዒ ስፍሓት መሬት ኤርትራ ኣብ ትሕቲ ዘይኤርትራዊ ሓይሊ ወዲቑ ኩሉ ምስኡ ተተሓሒዙ ዝመጽእ ክሳራታት ወሪዱ። ሕጂ’ውን ”ናይዚ ክሳራ’ዚ በሰላ ኣብ መነብባሮ ህዝቢ ኤርትራ ይረአ ኣሎ።

ድሕሪዚ ኩሉ ክሳራን ዘየድሊ ግዜ ምብላዕን ከኣ ጉዳይ ኤርትራን ኢትዮጵያን እነሆ፡ ናብቲ ቅድሚዚ ኩሉ ክሳራ ምውራዱ ክግበር ዝግበኦ ዝነበረ ናይ ምቅርራብ ምዕራፍ ተበጺሑ። መራሒ ህግደፍ “እዚ ንዘይተርፍ ደኣ ስለምንታይ እዚ ኩሉ ናይ ግዜ፡ ህይወትን ንብረት ክሳራ ምውራድ ኣድልዩ?” ዝብል ሕቶ እንተዝቐርቦ ካብ ምጉብዕባዕ ሓሊፉ ዝድህሰስ መልሲ ኣይመነበሮን። እቲ ኣዝዩ ዘገርም ከኣ ነዚ ኩሉ ዝተዘርዘረ ክሳራ ዘንጊዑ ኣብ ኣስመራ ምስ ቀዳማይ ሚኒስተር ኢትዮጵያ ዶ/ር ኣብይ ኣሕመድ ዓሊ ከኽመስምስ እንከሎ፡ ብዘይሕፍረት ኣግሂዱ ኣብዚ ዝሓለፈ ውግእ “ኣይከሰርናን” ኢሉ። እዚ ኣበሃህላ ኣዝዩ ዘስደምም ኮይኑ፡ “ዒራ ዘይስንኻ ሑጻ ቆርጥመሉ” ካብ ምባል ሓሊፍካ ካልእ ዝበሃሎ ኣይኮነን።

ኣቶ ኢሳይያስ “ኣይከሰርናን” ዝበለ፡ ኣብ ቅድሚ እተን ደቀን፡ ኣሕዋተንን ሰብኡተንን ዘውፈያ ናይ ጸጉረን ዘይኮነ ናይ ልበን ድርምም ዘይተፈትሐ ኣደታት፡ ንብረቶም ከንቱ ዝጠፈአ ዜጋታትን ግዜኦም ዝባኸነ መንእስያትን ምዃኑስ እምበርዶ ይርደኦ እዩ። እቲ ኣከስርናን ዝብል ዘሎ እንታይ ምስዚ ኣቐድሙ ዝተጠቕሰ ክሳራ ክወዳደር እንከሎ እንታይ መኽሰብ ዝበሃል ስለ ዘመዝገበ እዩ ”ኣይከሰርናን” ዝበለ። እቲ ምስ ዶ/ር ኣብይን ዝመርሓ ኢትዮጵያ ዝምድና ምፍጣር እንተኾይኑ፡ ዘይንሱ ባዕሉ ዘሪግዎ እምበር፡ ድሕሪ ውድቀት ስርዓት ደርጊ ኣብ ዝነበረ ሸውዓተ ዓመታትስ ዝነበረ ኩነታትዶ ኣይኮነን። ዝነበረ ሰላም ዘሪግካ ደሓር ኮለል ኢልካ ናብቲ ዝነበርካዮ ምምላስከ ምኽሰብን ውሕልነትን ዘብል ድዩ።

እዚ “ኣይከሰርናን” ዝብል ኣበሃህላ ነተን ብመስዋእቲ ደቀን መዓንጠአን ዝሓረረ ኣዴታት ኤርትራ ከምዘይውክል ፍሉጥ እዩ። እንተኾነ ስርዓት ኢሳይያስ ኣብዛ ጉዳይ እዚኣ ጥራይ ዘይኮነ፡ ኣብ ኩሉ ተግባራቱ ንህዝቢ ዝውክል ሓድሽ ኣየምጸአን። ብርገጽ ስዉኣት ዝተሰውእሉ ኣገባብ ቅኑዕ ይኹን ግጉይ ኣይምለሱን እዮም። መስዋእቶም ግና ግቡእ ክብሪ ክወሃቦ ይግባእ’ሞ ኒሳይያስ ከም ልማዱ ዘንጊዕዎም ኢልካዮ ምሕላፍውን ሓደ ጉዳይ እዩ። ናይቶም ኣሸሓት መስዋእቲ ክሳብ ክንድዚ ተናዒቑ ኣብ ውግእ ኤርትራን ኢትዮጵያን “ኣይከሰርናን” ምባል ግና ሸለል ክትብሎ እንተደለኻ ሸለል ዘይበሃል ብደዐ ካብ ምዃኑ ሓሊፉ ካልእ ክኸውን ኣይክእልን እዩ። መራሒ ህግደፍ እንተተበደዐ ንወልድቲ እቶም ሰማእታት ከም ነብሱ ወሲዱ፡ “ኣይከሰርናን” ኢለ ከእምን እየ ኢሉ ምምዳሩ ዘገርም እዩ። ከምዚ ስለ ዝኾነ እዮም ከኣ ነቲ ኣበሃህላ ናይ ስኽራን እንተዘይኮይኑ ናይ ጥዕና ክኸውን ኣይክእልን እዩ ዝብልዎ ዘለዉ።

ከምቲ “ከም ኣሕዋት ተፋቐር፡ ከም ጓና ከኣ ተሓሳሰብ” ዝበሃል፡ ብሓፈሻ ህዝቢ ከተማ ኣስመራ ብፍላይ ከኣ ኣዴታት ኣብ ኣቀባብላ ቀዳማይ ሚኒስተር ኢትዮጵያ ዘርኣይዎ ተሳትፎ ናይ ሰላምን ዓው ኢልካ ምዝራብን ጽምኣቶም ዝምስክር ኮይኑ፡ ነቲ ትርጉም ንዘየብሉን ብውልቃዊ ህልኽ ዝተላዕጠጠን ውግእ ዘካየደ ህግደፍን መራሒኡን ናይ ግድን ክተሓሳሰቦ ኣለዎ። ከምኡ እንተዘይገይሩ ግና እቲ ዝሓለፈ ግጉይ ተመኩሮ ትምህርቲ ስለ ዘይተወስደሉን ንኢሳይያስ ሕራይ ገበርካ ዝብል መልእኽቲ ስለ ዘመሓላልፍን ኣብ ቅድሚ ሰማእታት እውን ዘሕትት እዩ። ኢሳይያስ ካልእ እንተ ተረፈ ናይቶም ሰማእታት መስዋእቲ “ክሳራ እዩ” ምባል ስለምንታይ ከም ዝጸገሞ ዘገርም እዩ። ዘይሩ ዘይሩ ናይዚ ኣበሃህላ ቀንዲ ዕላማ ድሕሪ ከሲርና ምባል ናይቲ ክሳራ ተሓታቲ ምዃን ስለ ዘኸትል ካብዚ ንምህዳብ ጠኒኑ ዝኣተዎ ክሕደት እዩ።

 
 
Ethiopia based journalists have been asked to go to Addis Airport early on Saturday
 
 
Eritrean President Isaias to visit Ethiopia: Eritrea minister

ADDIS ABABA (Reuters) – Eritrean President Isaias Afwerki will visit Ethiopia on Saturday, Eritrea’s information minister Yemane Meskel said on Friday, days after the two neighbors declared their “state of war” over.

The visit comes a week after Ethiopian Prime Minister Abiy Ahmed visited Eritrea and signed a pact on resuming ties with Isaias.

Under the historic deal, the Horn of Africa neighbors agreed to open embassies, develop ports and resume flights, in concrete signs of rapprochement away two decades of hostility since war erupted over their disputed border in 1998.

(Reporting by Aaaron Maasho; writing by George Obulutsa; editing by Maggie Fick and Jason Neely)

Source=https://eritreahub.org/eritrean-president-isaias-afwerki-to-addis-saturday-morning

ፈስቲቫል ፍራንክፎርት 2018፡ ኣብ ዞና ቀርኒ ኣፍሪቃ ብሓፈሻ ንህዝቢ ኣብ ምፍላስ ዝጸንሓ ሓይልታት ናይ ዕርቅን ሰላምን ተበግሶታት ክወስዱ፣ ኣብ ጉዳይ ኢትዮ-ኤርትራ ዝጸንሐ ኣይውግእ ኣይሰላም ኲነታት ድማ ብፍላይ ንረብሐ ህዝብን ሃገርን ኤርትራ ዳኣ ይግበሮ እምበር፡ ህጸት ዘሰነዮን ሓድሽን ሞብልናታት ኣብ ዝራኣየሉ ዘሎ እዋን እዩ ካብ ዕለት 03 – 05 ነሓሰ 2018 ክካየድ ኣብ ምድላው ዘሎ። እቲ ጉዕዞ ነቲ ብጸሓይ ባድመ ምሒሉ ዝገዘተን ቅድሚ ዶብ ምሕንጻጽ ዘበት ምዝታይ ዝብል ዝነበረ መድሓኒ ቆርበት ስልጣኑ ገይሩ ክወስዶ ይኽእል ይኸውን፡ ኣብ ህዝብናን ተቓለስቲ ሓይልታቱን ግን፣ ብዙሕ ምጥርጣራት ዘልዕል ብምዃኑ፡ ልኡላውነት ሃገርና ዝዕቅብን፡ መሰላት ህዝብና ዘረጋግጽን መስመር ንምውሓስ ተቓላሳይ ህዝቢ ክድቅሰሉ ዘለዎ ኣይኮነን። ምኽንያቱ ጉጅለ ህግደፍ ዶብ ሃገርናን መሬትናን ዘድፈረን ኣሕሊፉ ዝሃበን ሓደን ንሱን ጥራሕ እዩ።

ስለዚ ተቓወምቲ ፖለቲካዊ ሓይልታት፡ በርጌሳውያን ማሕበራትን ምንቅስቓሳትን፡ ኣገደስቲ ውልቀ-ሰባትን ኮታስ መላእ ናይ ለውጢ ኣካላት፣ ካብዚ ተፈጢሩ ዘሎ ስምዒታዊ ከቢድ ደበና ንደመር፣ ህዝቢ ቅኑዕ መንገዲ ንምትሓዝ፣ ኩሉ ገዲፉ ልዕሊ ዝኮነ ይኹን ግዜ ክብገሰሉን ሓቢሩ ክምክተሉን ዘለዎ ዕድል ሕጂውን ከምልጦ የብሉን።

በዚ መሰረት፡ ኣሰናዳኢት ሽማግለ ፈስቲቫል ፍራንክፎርት 2018፣ ንህልዊ ኵነታት ብዝገጥም ኣገባብን ዕላማን ክስራዕ፡ ተሳተፍቲ ፈስቲቫል ሓሳባቶም ዘዋሃህድሉን ሓባራዊ ናይ ግጥምያ መስርሕ ዝፈጥርሉን መኣዲ ክኸውን ኩሉ ዝካኣላ ጻዕርታት ኣብ ምክያድ ትርከብ ኣላ። ኣብ ከባቢኣ ንዝርከቡ ተወከልቲ ውድባትን ምንቅስቃሳትን ህዝባዊ ምልዕዓላትን ዕድመታታ ዘርጊሓ፡ ዝተዘንግዐ እንተነይሩ እውን ኣስዒባ ብምልኣኽ ኣጠናቒቓ ምህላዋ ተረጋጊጹ ኣሎ።

ብሸነኽ ዕድመኛታት እንተኮነ እውን፡ ኣገዳስነት ናይቲ መድረኽ ተገንዚቦም ብኣግኡ፣ ኣብ ፈስቲቫል ፍራንክፎርት 2018 ክሳተፉ ምዃኖም ዘፍለጡን ዘቕርብዎ መግለጺ ምህላዉን ብጽሑፍ ዝሓበሩ ምህላዎም ኣቦ-መንበር ኣሰናዳኢት ሽማግለ ሓው ተስፋማርያም ሓቢሩ ኣሎ። ሰውራዊ ዲመክራስያዊ ግንባር ኤርትራን፡ ሰልፊ ዲሞክራሲ ኤርትራን፡ ኣወንታዊ መልስታቶም ካብ ዘቐደሙ ውድባት ክኮኑ እንከለዉ፡ ግንባር ሃገራዊ ድሕነት ኤርትራ እውን፡ “ነቲ ዘለና ናይ ቃልሲ ዝምድና ንምዕዛዝ ላዕለዋይ ሉኡኽና ኣብ ፈስቲቫልኩም ክንርከብ ምዃኑ ክንሕብረኩም ደስ ይብለና” ክብሉ ኣወንታዊ መልሲ ኣቅሪቦም ምህላዎም ተሓቢሩ።

ብዘይካዚ ሓድንት  ኤርትርውያን ንፍትሒ፡ ቀንድን ሓያልን መበገሲኦም ኣብ እስራኤ ዘሎ መንእሰይ ኮይኑ፡ ብፍሉጥ ኲነታት ሃገርና ግን መንእሰይ ኤርትራ ዘይተብተኖ ሃገር ኮነ ክፍለ-ዓለም ስለዘየለ፡ ኣባል መሪሕነትን ናይ ወጻኢ ጉዳያት ሓላፍን ምንቅስቃስ መንእሰያት ንፍትሒ ሓው ኣቤል ሃይለ ካብ ኖርወይ፣ ኣነውን ኣብ ፈስቲቫል ፍራንክፎርት ተረኺበ ንመንእሰያትና ዝኸውን መልእኽቲ ኣለኒ ይብል ብምህላዉ፡ ፈስቲቫል 2018 ተወሳኺ ድምቀት ክትረክብ እያ።

እዚ ጥራሕ መኣስ ኮይኑ፡ ንሕና ቀደም ተቓለስቲ ሕጂውን ተቓለስቲ ኣብ ሃገርና ፍትሕን ርትዕን ክሳብ ዝረጋገጽ ድማ ክንቃለስ ስለዝኮና፡ ከም ሃገራውያን፡ ኣባላት ደምበ ተቓውሞ ዝገብርዎ ውራይ፣ ናትና ኢዩ ኢልና ስለእንኣምን፡ ኣብ ፈስቲቫል ፍራንክፎርት 2018 ድማ እጃምና ከነበርክት ድሉዋት ኣለና ካብ ዝበሉ ስነ-ጥበበኛታት ሓው ኢዮብ ሃይለን፡ ኣሕመድ (ሓማዳ) እብራሂምን ካብ ጀርመን፡ ዓሊቶን ተስፋይ ጀንትሊን ሙዚቐኛታትን ድማ ካብ ስዊዘርላንድ ክሳተፉ ምዃኖም ተረጋጊጹ ኣሎ። ልቦና ስነ-ጥበበኛታትና ድማ ኩሉ ተቓላሳይ ክስዕቦን ክብገሰሉን ትስፉዋት ኢና ጥራሕ ዘይኮነስ፡ ኩልና ክንስዕቦ ዘለና ኣወንታዊ ባህሊ ምዃኑ ምግንዛብ ኣገዳሲ እዩ።

ካብዞም ኣርባዕተ ሓደ። ሓው ሓማዳ ኣብራሂም ካብ ዝልለየሉ ስነ-ጥበብ ድማ፡ ወኒ ናይ ቃልሲ ዘበራብር መድረኻዊ ግጥምታቱን ንባቡን ምስ ምቅርራብ መድረኽን ምዃኑ ተሳታፊ ፈስቲቫላት ተጋድሎ ሓርነት ኤርትራ - ሰውርዊ ባይቶ ካብ ዝምስክሮ ሓቕታት ምዃኑ ከይዘከርካ ዝሕለፍ ኣይኮነን።

ንሎሚ ዜና ፈስቲቫል 2018 ኣብዚ ወዲእና ኣለና፡ ዝስዕብ መደባትናን ሓበሬታ ፈስቲቫል ፍራንክፎርት 2018 ድማ ኣብ ዝመጽእ ከነካታትለኩም እያ።

ርክብና ኣብ ፈስቲቫል ፍራንክፎርት 2018 ይኹን።

EPDP Magazines