ኣይኮነንዶ ሎሚ ዓለምና ብሳላ ስልጣነ ናብ ቁሸት ኣብ ዝተቐየረትሉ፡ ብቐደሙ ውን መነባብሮ ሰባት ኣብ ኩሉ ህይወት ሓባራዊ እዩ። እዚ ሓባራውነት ህያው ዝኸውን ከኣ ብግራዊ ስራሕ እናተሰነየ ክኸይድ እንከሎ እዩ። ኣብ ሕብረተሰብኣዊ ህይወት ምትሕግጋዝ ክጉሰ ዘይከኣል ሕጊ ናይ ምዕባለ ኢዩ። ርኽክባት ከከም ኩነታቱን ምኽንያታቱን በብእዋኑ ዝተፈላለየ መልከዓት ዝሕዝ ይኹን'ምበር፡ ምስ ካልኦት ርክብን ዝምድናን ዓጺኻ በይንኻ ምጉዓዝ ዘይከኣል ኢዩ። ብተነጽሎዚ ኣይኮነንዶ ከዕብየካን ንቕድሚት ከሰጉመካን በቲ ዘለኻዮ ክትቅጽል እውን ኣጸጋሚ እዩ። እዚ ንዓና ኤርትራውያን ኣብቲ ዝሓለፈ ኮነ ሎሚ ዝካየድ ዘሎ ቃልስና ንሓንሳብ እንዳተንሰአ ንሓንሳብ ከኣ እንዳወደቐ ዝመጸን እንሓልፎ ዘሎናን መስርሕ እዩ።
እዚ ሓባራዊ ህይወትን ዝምድናን ኣብዚ ንርከበሉ ዘለና ፍሉይን ተሃዋስን እዋን፡ እቲ ዝያዳ ግምት እንህቦ፡ ዝያዳ ኣዛራቢ ፖለቲካዊ ዛዕባ እዩ። ብባህሪኡ ግና ከምቲ ዝተጠቕሰ ኣብ ኩሉ እንተናና’ውን ዝንጸባረቕ እዩ። ዝምድናን ምቅርራብን ተመጣጢ ባህርያት ስለ ዝህልዎ፡ ብጥንቃቐ ሒዝካ ደረቱ ምውሳን ዘድልዮ መሰረታዊ ጉዳይ እዩ። ደረቱ ንጹር ምስዘይከውን ግና ከኸትሎ ካብ ዝኽእል ሓደጋታት ሓደ ናብ ኢድ ምትእትታው ወይ ምንጽጻግ ምምዕባል እዩ። ኢድ ምትእትታውን ምንጽጻግን ውጽኢቶም ጥዑይ ከምዘይከውን ድማ ርዱእ እዩ።
ንናይ ኢድ ኣእታውነትን ምንጽጻግን ጫፋት ኣወጊድካ ምትሕግጋዝን ምድግጋፍን ከተሕይል ዝግበር ናይ ቃልሲ ስልቲ ክንመጸሉ ዝጸናሕና መስርሕ እዩ። እዚ መስርሕ ምስ ግዜን ኩነታትን ዝያዳ ዓብላሊ ኣድላይነት ዝህልወሉ ኩነታት ይፍጠር እዩ። ኣብዚ እዋንዚኳ “ዝምድና ኤርትራዊ ናይ ለውጢ ሓይሊ ምስ መንግስቲ ትግራይን ማእከላይ መንግስቲ ኢትዮጵያን እንታይ መልክዕ ክሕዝ ይግበኦ?” ዝብል ኣባና ኮነ ኣብኣቶም ክሳብ ክንደይ ተሃዋስን ንቕድሚት ተመዚዙ ወጺኡ ዘሎን ኣጀንዳ ምዃኑ ከም ኣብነት ዝጥቀስ እዩ። እዚ ዛዕባዚ ምስ ናይ ግዳም ሓይልታት ጥራይ ዘይኮነ፡ ኣብ ሕድሕድ ኤርትራዊ ናይ ለውጢ ሓይልታት እውን ኣድላይን ብኽንድኡ ደረጃ በዳህን ኮይኑ ዘሎ እዩ።
ምትሕግጋዝ ብክልተ ድዩ ካብኡ ንላዕሊ ብዝኾኑ ተዋሳእቲ ዝትግበር እዩ። ተሓጋገዝቲ ንክደጋገፉ ሓቢሮም ዘማዕብልዎ ናይ ሓባር ረብሓ፡ ወይ ሓቢሮም ዘወግድዎ ናይ ሓባር ስግኣት ይህልዎም። ክተሓጋገዙ እንከለዉ፡ ከካብ ናቶም ሕሳብ እዮም ዝነቕሉ እምበር፡ ሓደ ኣካል ዘይረብሓሉ ክነሱ፡ ነቲ ካልእ ከርብሕ ኢሉ ጥራይ ዝኣትወሉ ውዕል ኣይኮነን። ነቲ መስርሕ ናይ “ሓባር” ዘብሎ ከኣ ተሓባበርቲ በብናቶም ሕሳብ ኣትዮም ኩሎም ዝርብሕሉ ስለ ዝኾነ እዩ። ኣብቲ ምትሕግጋዝ ግደ ናይቶም ተሓጋገዝቲ ምስ ግዜን ኩነታትን ካልእ ረቛሕታትን ናይቲ ሓደ ዓብይ ናይቲ ካልእ ከኣ ንኡስ ክኸውን ይኽእል። እቲ ዘገድስ እቲ ወኪለሞ ዘለዉ ጉዳይ’ምበር ናይ ኣበርክቶ ምምጥጣን ምስ ምዕባለ ዝቀያየር ኩሉ ግዜ ሓደ ዓይነት ሚዛን ሒዙ ዝነብር ኣይኮነን። ኩሉ ሓይልታት ነቲ ዝሰማማዓሉ ናይ ሓባር ዕላማ በታ ዘላቶ ዓቕሚ ኣበርክቶኡ ዝገብር ክሳብ ዝኾነ ኣብ ጉዳያቱ ብዘለዎ ውክልና ናይ ማዕረ ሽርክነት ኢዩ ዝኸውን።
እቲ ናይ ካለኦት ሓገዝን ምትሕብባርን እትደልየሉ በይንኻ ዘይትኽእሎን ዘይተዓሞን ምስ ዝኸውን ጥራይ ዘይኮነ፡ ናይ ሓባር ረብሓ ስለዝህልወካ’ውን እዩ። እቲ ምሳኻ ክተሓጋገዝ ዝደሊ ኣካል’ውን ከምዚ ናትካ ምስ ኮኖ እዩ ምሳኻ ክተሓጋገዝ ዝውስን። ውጽኢት ናይቲ ምትሕግጋዝ ግና ኣብ ሓዲኡ ሽዑ ዝረአ ናይ ሓዲኡ ከኣ ርሑቕ ዝጠመተ ክኸውን ይኽእል። ባዕልኻ ክትገብሮ ንዝግበኣካን ዝከኣለካን፡ ግድን ኣነ ንዓኻ ተኪአ ክገብረልካ እየ ኢሉ ዘገድደካ፡ እሞ ነቲ እትጽበዮ ረብሓ ናብ ናቱ ጥራይ ክጥቕልሎ ዝህንደድ ከጋጥም እንከሎ፡ ካብቲ ከጋጥም ዝኽእል ሓደጋ “ኢድ ኣእታውነት” እዩ። እዚ ከኣ ውጽኢቱ ሃስያ ስለ ዝኾነ ተቓባልነት የብሉን። እቲ ካልእ ገጽ ድማ ክልቴኻ ካብ እትረብሓሉ ናይ ምትሕግጋዝ መድረኽ ናይ ምብኳርን ምንጽጻግን ሓደጋ እዩ። ስለዚ እቲ ዘዋጽእ ነዚ ናይ ምትእትታውን ምንጽጽጻግን ጫፋት ኣወጊድካ ኣብቲ ክልቴኻ እትረብሓሉ ክትጽመድ ምብቃዕ እዩ። ኣብ ከምዚ ንርከበሉ ዘለና ተሃዋስን ናይ ሻማሻማን መድረኽ፡ ዝምድናን ምትሕግጋዝን ብፖሊሲን ትካላዊ ኣሰራርሓን ዝምራሕን መጻኢ ዘማዕዱን እምበር፡ መምስ ዘጋጥም ስምዒታት እንዳተቖራረጸ ዝተሓዝ መስርሕ ክኸውን ኣይግበኦን። ከምኡ ስለ ዝኾነ እዩ ድማ ጉዳይ ዝምድናን ምትሕግጋዝን ኣብ ኣገደስቲ ሰነዳትን ፖሊሲታትን ናይ ሓደ ውደባ ኣገዳሲ ቦታ ዝወሃቦ።
ሰልፊ ዲሞክራሲ ህዝቢ ኤርትራ (ሰዲህኤ) ነዚ ኣብ ዝምልከት፡ ኣብቲ ብጉባአኡ ዘጽደቖ ስኑድ መደብ ዕዮኡ ካብ ዘስፈሮ፡ “ምስ ዝዀነ ሃገር ዝህልወና ዝምድና ሓባራዊ ረብሓ ንምዕዋት ዝዓለመ እዩ። ብፍላይ፡ ምስ ጐረባብትና ሃገራት ዝህልወና ዝምድና ኣብ ሓባራዊ ዕብየትና ኣገዳሲ ግደ ክጻወት ስለ ዝኽእል፡ ልዑላውነት ሕድሕድ ብምኽባር፣ ኣብ ውሽጣዊ ጉዳያት ሕድሕድ ብዘይምትእትታው፡ ንሰላምን ቍጠባዊ ዕብየትን ብሓባር ክንስርሕ ይግባእ።” ዝብል ዓንቀጽ ኣሎ። ኣብ መንጎ ማእከላይ መንግስቲ ኢትዮጵያን ክልላዊ መንግስቲ ትግራይን እዚ ሎሚ ናብ ውግእ ዓሪጉ ዘሎ ቅልውላው ክጅመር እንከሎ፡ ኣብ ኤርትራ ዘሕድሮ ጽልዋ ኣብ ግምት ብምእታው ኣብ ኤርትራውያን ናይ “ብኸመይ ኢና እንሕዞን እንዛመዶን”? ሕቶ ከቕርብ ጸኒሑ’ዩ። ዝተፈላለዩ ወገናት ከኣ ነዚ ሕቶ ከከም ሚዛኖም ክምልስዎ ጸኒሖም። ሰዲህኤ ብወገኑ ብመንጽርዚ ኣብ ፖለቲካዊ መደብ ዕዮኡ ዝተጠቕሰ ዓንቀጽ ተመርኲሱ፡ ክሕዞ ጸኒሑ። ናይ 21 ሕዳር 2020 መግለጺ ማእከላይ ባይቶኡን ናይ 3 ሓምለ 2021 ናይ ፈጻሚ ሽማግለኡ ኣዋጁን ድማ ነዚ ዘመልክቱ እዮም።
ኣብዚ ጉዳይዚ እንኽተሎ ኣተሓሕዛ ንዓወትና፡ ቀጻልነትናን ህዱእ ጉርብትናናን ወሳኒ ምዃኑ ርዱእ እዩ። ክሳብ ክንድዚ ወሳኒ ስለ ዝኾነ ድማ ካብ ስምዒትን ሕዱር ቅርሕንትን ወጺእና ናይ ውልቀሰባት ስምዒታዊ መደረ ካብ ውድባውን መንግስታውን ትካላዊ መርገጻትን ኣለሊና፡ ዝያዳ ከኣ ናይ ሓባርና ብደሆ ኣነጺርና ክንሕዞ ይግበኣና። ምስ ትግራይ ነንረብሓና ክንብል ከነማዕብሎ ካብ ዝግበኣና “ሰላማዊ ጉርብትናን ተሓጊዝካ ምዕባይን” ሓደ እዩ። እዚ ከነሰስኖን ክንከናኸኖን ዝግበኣና እዩ። እቲ ኣብዚ ከይንበጽሕ ዓንቂጹና ዘሎ ናይ ሓባር ጸላኢ ጉጅለ ህግደፍ እዩ። ስለዚ ንዓኡ’ውን ተሓጋጊዝና ከነወግዶ ይግበና። ኣብዚ መስርሕ ነናትና ብልጫታት ስለ ዘለና፡ “እቲ ሓደ ኣብ ጉዳይ እቲ ካልእ ኢዱ ብዘእትወሉ” ቅኒት ዘይኮነ፡ እቲ ሓደ ናይቲ ካልእ “ሕጽረትን ጐደሎን ብዝምልኣሉ” ተቐራሪብናን ትካላዊ መልክዕ ኣትሒዝና ናይ ምውሳን ናጻነትናን ክብርታትናን ዓቂብና ክንመሓዞ መተካእታ የብሉን።
ርእሰ-ዓንቀጽ ሰዲህኤ
ኤርትራውያን ታሪኽና ነዊሕን ዝተሓላለኸን እዩ። መስርሕ ታሪኽና ናይ ብዙሓት ኢድ ኣእታውነት ዝተራእዮ ኮይኑ፡ እቲ ጠንቂ ናይ ጸገምና ግና ምሉእ ብምሉእ ናብ ካለኦት እንድርብዮ ዘይኮነ፡ ናትና ናይ ኤርትራውያን ኣሉታዊ ግደ እውን ቦታ ነይርዎ እዩ። ደሓር ዝተራእየ ንኡስ ለውጢ እኳ እንተነበረ፣ ኤርትራ ካብ ባሕቲ ጥሪ 1890 ኣብ ትሕቲ ኢጣልያዊ መግዛእቲ ካብ እትቑረን ኣትሒዛ ነዚ ሎሚ ሒዛቶ ዘላ ስምን ቅርጽን ተረኪባ። ኤርትራውያን ንመግዛእቲ ኢጣልያ ተገዲዶም’ምበር ሓንጐፋይ ኢሎም ኣይተቐበልዎን። ብፍላይ ኣብቲ ሕሱም ግዜ ናይ መግዛእቱ ብዙሓት ሓርበኛታት ጸረ ባዕዳዊ ስምዒት ኣሕዲሮም ናይ “ኣይንግዛእን” ድምጽታት ኣስሚዖም ኢዮም።
ኤርትራ ክሳብቲ 2ይ ውግእ ዓለም ብ1941 ተዛዚሙ፡ ገዛኢት ኢጣልያ ዝነበረቶ ወገን ዝሰዓር ኣብ ትሕቲ ኢጣልያዊ መግዛእቲ ኣብ ፖለቲካዊ፡ ቁጠባውን ማሕበራውን መዳያት ኩሉ ዓይነት ወጽዓታት ክወርዳ ጸኒሑ። ድሕሪ 2ይ ውግእ ዓለም ምዝዛሙ ኣብ ትሕቲ መግዛእቲ ኢጣልያ ናይ ዝነበራ ሃገራት ዕድል ክውሰን እንከሎ፡ ኤርትራ ግና ናጻ ሃገር ኮይና ክትቅጽል ኣይተዓደለትን። ከም ናይ መጀመርያ ስጉምቲ ድማ ኣብ ትሕቲ ወተሃደራዊ ምምሕዳር እንግሊዝ ክትቅጽል ተወሲኑዋ። ኣብ ትሕቲ ምምሕዳር እንግሊዝ ኣብ ዝነበረትሉ ድማ መጻኢ ዕድላ ንምውሳን ኣዝዩ ውዑይ ፖለቲካዊ ጻዕርታት ተኻይዱ። እንተኾነ ከምቲ “ሓያልሲ ብድሕሪ ኣደኻ ኣይደቅስ” ዝበሃል፡ መንግስቲ ጐረቤትና ኢትዮጵያ ምስ ምዕራባውያን ዝነበሮ ጽቡቕ ዝምድና ተጠቒሙ ነቲ ቅድመ-መግዛእቲ ኤውሮጳዊ ሓይልታት ዝነበረ ታሪኽ ብምልዓል፡ ናይ “ኤርትራ ትግበኣኒ እያ” ዝብል ጠለብ ስለ ዘቕረበ ጉዳይ ሃገርና ተሓላሊኹ። እቲ ጸገም ናይ ኢትዮጵያ “ኤርትራ ትግበኣኒ እያ” ምባል ጥራይ ዘይነበረን። ብዙሓት ንረብሓ ህዝቢ ኤርትራ ብምጉሳይ ብዛዕባ ረብሓኦምን ተጽዕኖኦም ኣብ ዞባናን ዘቐድሙን ንኢትዮጵያ ብዋጋ ኤርትራ ከሕይሉ ዝወጠኑን ኢድ ኣእታውነት፡ ነታ ቀይሕ ባሕሪ ክበሃል እንከሎ ትጉምጅው ዝነበረት ኢትዮጵያ ሓጊዝዋ።
ኤርትራዊ ጉዳይና ንክተሓላለኽን በቲ ክሳብ ሕጂ ኣሰሩ ዘይጠፈአ ሕማቕ ዘበን ክንሓልፍን እቲ ጠንቂ ናይ ገዛኢት ኢትዮጵያን ደገፍታን ሓጥያት ጥራይ እዩ ነይሩ ኢልካ ዝድምደም ኣይኮነን። ናይቶም ሰብ ጉዳይ ኤርትራውያን ኣብ ምውሳን መጻኢ ዕድል ሃገሮም፡ ከጋጥም ዝኽእል ሓደጋ ተረዲኦም ሓቢሮም ኣብ ክንዲ ምቅላስ ምስዚ ሎሚ ንዕዘቦ ዘለና ዝመሳሰል ፖለቲካዊ ምብትታንን ስርሕ ፍንጥሕን እውን ግደ ነይርዎም እዩ። ብሓፈሻ ንብዙሓት ኣብ ኤርትራ ህርፋን ዝነበሮም፡ መንግስታት ብፍላይ ከኣ ንመግዛእቲ ኢትዮጵያ ኣፍደገኻ ከፊትካ ምሃብን ምስኣ ምትሕብባርን ኤርትራ ብዓንተብኡ ልኡላዊት ሃገር ከይትኸውን ግደ ከም ዝነበሮ ሸለል ኢልካዮ ዝሕለፍ ኣይኮነን። ሎሚ እውን ክንመሃረሉ ዝግበኣና ተመኩሮ እዩ።
ውድብ ሕቡራት ሃገራት ምናልባት በቲ ሓደ ወገን ነቲ ኤርትራውያን “ናጽነትና ይወሃበና” ዝብልዎ ዝነበሩ በቲ ካልእ ወገን ከኣ መግዛእቲ ኢትዮጵያ “ኤርትራ ኣካል ግዝኣተይ እያ” ዝብሎ ዝነበረ ጫፋት ደኾን ማእከላይ ፍታሕ ይኸውን ብዝብል ጉልባብ ኢትዮጵያ ኣብ ኤርትራ እግራ ኣደልዲላ ንክትረግጽ፡ ኤርትራን ኢትዮጵያን ብፈደረሽን ክቑረና ወሲኑ። እንተኾነ እቲ ፈደረሽን ኣብ ርእሲ ምርጫ ህዝቢ ኤርትራ ዘይምንባሩ ስሰዐን ህዉኽ ተንኮልን ኢትዮጵያ ተወሲኽዎ ኣብዘይመዓልቱ ፈሪሱ። ኤርትራ ከኣ፡ ብዘይ ፍቓድ ህዝባ ተገዲዳ መበል 14 ጠቅላይ ግዝኣት ኢትዮጵያ ኮይና።
ኣብቲ እዋንቲ “ኣብ ትሕቲ መግዛእቲ ምንባርዶ ወይ ዝተነፍገካ ናጽነት ብቃልሲ ምምላስ?” ዝብል ምርጫ ናብ ህዝቢ ኤርትራ ቀሪቡ። ህዝቢ ኤርትራ ከኣ ተቓሊስካ መሰል ርእሰ-ውሳነኻ ምምላስ እምበር፡ ኣብ ኣርዑት መግዛእቲ ንምንባር ስለ ዘይመረጸ፡ እቲ ካብ ንግሁኡ ናቱ ጸገማትን ሕጽረታትን ዝነበሮ ብረታዊ ቃልሲ ህዝቢ ኤርትራ ብባሕቲ መስከረም 1961 ተጀሚሩ። ድሕሪ ኣህላኺ ቃልስን መስዋእትነትን ከኣ ብ1991 ብናጽነት ኤርትራ ተኸምቲኡ።
ብዓንተብኡ እውን ቃልሲ ህዝቢ ኤርትራ ዘይኤርትራዊ ሓይሊ ካብ መሬት ኤርትራ ብምውጻእ ጥራይ ከምዘይውዳእ ርዱእ ነይሩ። ስለዚ ድሕሪኡ እውን “ናጻ ኤርትራ ከመይ ትመሓደር ናይ ምውሳን ቃልሲ” ቀጺሉ እነሆ ክሳብ ሕጂ ህያው እዩ። እዚ ቃልሲ ድሕሪ ናጽነት ህዝቢ ኤርትራ ዝተጸበዮኳ እንተነበረ፡ ክንድዚ ዝወሰዶ ዘሎ ግዜ ክወስድን እቲ መስርሕ ክሳብ ክንድዚ ካብ ግዜ መግዛእቲ ብዝኸፈአ ህዝቢ ኤርትራ ዝሳቐየሉ፡ ዝመዛበለሉ፡ ዝስወረሉን ኩሉ መሰላቱን ዝግፈፈሉን ክኸውን ግና ንመብዛሕትኡ ካብ ትጽቢት ወጻኢ እዩ። ጉዳይና ድሕሪ ናጽነት ኣብ ዓለም ካብቲ እቲ ዝኸፈአ ተረኽቦታት ሓደ ክነሱ፡ ኣብ ኣደባባያት ዓለም ዘይስማዕን ዘይረአን ኩይኑ ጸኒሑ። ንሕና እቶም ዋናታት እውን፡ ውሱናት ሓደስቲ ተርእዮታት የጋጥሙ እሞ ንዝተወሰነ ግዜ ድምጽና ኣስሚዕና ደሓር ከኣ ክንሃጥም ኢና ጸኒሕና። ብሰንኪ ብኩራት ቀጻልነት ከኣ ኣየድማዕናን። ምእሳር መራሕትን ጋዜጠኛታትን 2001፡ ህልቂት ደሴት ላምፓዱዛ፡ ተበግሶ ወዲ ዓልን ምንቅስቓስ ኣኽርያን፡ ደሓር ድማ ምግሃድ ዘይትካላዊ ምሕዝነት ዲክታተር ኢሳያስ ኣፈወርቅን ኣብይ ኣሕመድ ዓሊን ተኸቲሎም ዝተራእዩ ምብርባራት ከምቲ ዝድለ በርቲዖም ዘይምቕጻሎም ንኣብነት ዝጥቀሱ እዮም።
ኣብዚ እዋንዚ ርሑቕ ከይከድና ኣብ ከባብና ብዙሓት ነውጽታት ኣለዉ። ኣብ ኢትዮጵያ ኣጋጢሙ ዘሎ ድማ ብዓብይኡ እዩ። ብፍላይ ንኤርትራ “እውክል እየ” ዝብል ጉጅለ ህግደፍ ዝተሳተፎ ስለ ዝኾነ፡ ጉዳይ ኢትዮጵያ ካብቲ ካልእ ዞባዊ ነውጽታት ዝያዳ ከም ዘገድሰና ብሩህ እዩ። ኢሳያስ ንዝሓለፉ 30 ዓመታት ገዛ ዓጽዩን ድምጺ ኣጥፊኡን ንምጽቃጥ ከም ናይ ወጻኢ ፖሊሲ ወሲዱ፡ ህዝብና ክብድል ጸኒሑ። ሎሚ ግና ከምቲ “ኣድግስ ሃሊላ በላዒኣ ትጽውዕ” ዝበሃል ኣብ ዘይጉዳዩ ከዳኽር ምስ ጀመረን ብዝፈጸሞ ግህሰታት ሰብኣዊ መሰላትን ናይ ውግእ ገበናትን ኣካል ዞባዊ ኣጀንዳ ኮይኑ ስሙ ካብ ቅድም ብዝኸፍአ ክለዓልን ምስሉ ብሕማቕ ክሰኣልን ይውዕል ኣሎ።
ኢሳያስ ዞባዊ ኣጀንዳ ዝኸውን ዘሎ በይኑ ዘይኮነ፡ ኤርትራና’ውን ትልከም ኣላ። ስለዚ ኤርትራ እውን ኣካል ናይቶም ሓያላት ሃገራት ዞባዊ ሕሳባቶም ንክሰርዑ ሒዘምዎ ዘለዉ ትልሚ ትዂረት ዳግመ-ውደባ ኮይና ኣላ። ካብዚ ትልሚዚ ሎሚኸ ኤርትራ ከምቲ ናይ ቅድሚ 60 ዓመታት ክትጥለም ድያ ወይ ብመኽሰብ በሪኻ ክትወጽእ ኣዝዩ ዘተሓሳስብ እዩ። ኣብዚ እዋንዚ ንሕና ናይ ለውጢ ሓይልታት ኩሉ ኣወንዚፍና “ንምህላውን ዘይምህላውን ልኡላዊት ኤርትራ” ኣቐዲምና እንተዘይተቓሊስና ሎሚ እውን ታሪኽ ንገዛእ ርእሱ ደጊሙ ግዳይ ዘይንኾነሉ ምኽንያት የለን። ካብቲ ናይ ቅድሚ ሕጂ ብሰንኪ ዘይምስጣምና ጉዳይ ሃገርና ኣብ ኢድ ዘይዋናታቱ ዝወደቖ ከየጋጥመና’ሞ ዳግማይ ከይንጠዓስ “ጉዳይና ሎሚ’ውን ከይወጽእ ካብ ኢድና” ብዝብል ክንስጉም ሓደራ ንብል።
ርእሰ-ዓንቀጽ ሰዲህኤ
ኤርትራ ናይ ኩልና ኤርትራውያን እያ። ምእንቲ ናጽነታ ብሓባር ሳላ ዝተቓለስና ተዓዊትና። ንቐጻልነታን ሓለዋኣን ሓቢርና ክንስለፍ ድማ ናይ ግድን እዩ። ንዕቤታ፡ ሰላማ፡ ልምዓታን ክብሪ ህዝባን ከኣ፡ ብዘይካ ውሑዳት ኣብ ክንዲ ናይቲ “ኣነ ምእንታኺ ኤርትራ” ዝበለ መላእ ህዝባ፡ “ናይ ውሑዳት ዘረግቲ” ክትከውን ዝድግፉ፡ ኩልና ንቃለሰላ ኣለና። ክሳብ ሎሚ ኣብ ክንዲ ድሌት፡ እምንቶን ምርጫን ናይ ህዝብና ናይቶም ውሑዳት ጸበብቲ ህርፋን ክብርኽ ክንዕዘብ ጸኒሕና። ሎሚ እውን ጌና እዚ ብቃልሲ ክቕየር ዝግበኦ ንኤርትራና ዘይምጥን ሚዛን ኣይተቐየረን። እዚ ክኸውን ዘይነበሮ ሚዛን ብሰንኪ ናይቶም ብዙሓት ነቲ ዘራኽበና ኣቐዲምና ከነሕይሎ ዘይምኽኣልና ዘጋጥም ዘሎ ዘይንቡር እዩ። እቲ ኣዝዩ ዘገርም ከኣ ሳዕቤን ናይቲ ከምቲ ክንኮኖ ዝገባና ዘይምዃና እንታይ ከም ዝኸውን እንዳተረዳእናዮ ከነእርሞ ዘይምብቃዕና እዩ።
ኤርትራውያን፡ ለውጢ ንደልየሉን ምእንታኡ ንቃለሰሉን ዘለና ምኽንያትን ኣብዚ እዋንዚ ምምርማር ዘድልዮ ዘይኮነ፡ ኣብ ገገዛናን ዕለታዊ ህይወትናን ዘሎ ሓቂ እዩ። ነቲ ኣብ ኤርትራ ዝካየድ ዘሎ ቃልሲ ምእንቲ ለውጢ ዝድርኽ ሓቂ፡ ኣይኮነንዶ ንዓና ነቶም ንቃለሰሉ ዘለና ሰብ ዋኒንን ህዝብናን፡ እቶም ክሓብእዎ ዝደልዩ ጸረ ለውጢ ሓይልታት እውን ክኸውልዎ ኣብ ዘይክእልሉ ደረጃ ዝበጸሐ ምዃኑ ንጹር እዩ። ሎሚ “ደጋፊ ህግደፍ እየ” ዝብል ኣካል እውን ካልእ ኮለልን ዕባራ ምኽንያትን ደኣ የምጽእ እምበር፡ ኣፉ መሊኡ “ኣብ ምምሕዳር ህግደፍ ኤርትራን ህዝባን ጽቡቕ ኣለዉ” ዘብል ሞራልን ድፍረትን የብሉን። ሓደ ካብቲ ዕባራ ምኽንያታት ከኣ፡ ንኤርትራ ምስ ጉጅለ ህግደፍ ኣጣቢቕካ ምርኣይን፡ ህግደፍ ዝፍጽሞ ንረብሓ ኤርትራዊ ልኡላውነት ከም ዝኾነ ኣምሲልካ ምቕራብን እዩ። ጉጅለ ህግደፍ ነዚ ናይ ግሩሃት ዕባራ ምኽንያታት መዝሚዙ ካብቲ ርኡይ ገበናቱ ንምህዳም፡ ምስ ግዜን ኩነታትን ዝቀያየር መዳህለልታት ኣብ ምምሃዝዩ ዝጽመድ። ህዝብና ኣብ ክንዲ ኣብቲ መሰረታዊ ብቐጥታ ዝምልከቶ ኤርትራዊ ዘቤታዊ ዛዕባኡ ኣትኪሉ ስኑ ነኺሱ ዝቃለስ፡ ካልእ መላገሲ ምፍጣር ሓደ ካብ ሜላታት ናይቲ ጉጅለ እዩ። ህዝቢ ቀዳምነቱ ዘይኮነ ጉዳይ ጐረቤት ከቐድም ዝግበር ድፍኢት እውን ብመጽርዚ ዝረአ እዩ። እዚ ሎሚ ጉጅለ ህግደፍ ኣብ ውግእ ትግራይ ተሸኺልዎ ዘሎ ከኣ ንኣብነት ዘይጥቀስ ኣይኮነን። እቲ ዘሕዝን ከኣ ነቲ ዋጋ ዝኸፍል ዘሎ እቲ ጉጅለ ዘይኮነ፡ ህዝቢ ኤርትራ ምዃኑ እዩ።
ጉጅለ ህግደፍ ሰለምንታይ ከምዚ ዓይነት ካብ ኤርትራዊ መስርዕ ዘውጽእ መንገዲ ይመርጽ ኣሎ፡ መግለጺ ጸረ ህዝብን ኣብ ዘይጉዳይካ ምድኻርን ባህሪኡ ስለ ዝኾነ፡ እንቃለሶ እምበር፡ ከም ሓድሽ ተርእዮ እንግረመሉ ኣይኮነን። እቲ ክንግረመሉ ዝግበኣና ናይቶም ምእንቲ ለውጢ ንቃለስ ዘለና ኣብ ክንዲ ነቲ ዘራኽበና እነቐድምን እነሕይልን ነቲ ኣብዚ እዋንዚ ቀዳምነትና ክኸውን ዘይግበኦ ኣጀንዳታት ከነቐድም ተረሓሒቕና ኣደዳ ናይቲ ጉጅለ ንኸውን ምህላውና እዩ። ጉጅለ ህግደፍ ናይ ህልውናኡ ጉዳይ ስለ ዝኾነ፡ ቀጻልነቱ ከረጋግጽ ከይደቀሰ ዝሓድር ምዃኑ ብሩህ እዩ። ቀንዲ ዋሕስ ቀጻልነቱ ግና ናትና ናይቶም ተቓሊስና ክንስዕሮ ዝግብኣና ናይ ለውጢ ሓይሊ ድኽመት ምዃኑ ክንእመነሉ ዝግበኣና እዩ። ነዚ ብዘይዕጥይጥይ ክንእመን ምኽኣል ኣብ ኣሳልጦ ቀጻሊ ቃልስና ቦታኡ ዕዙዝ እዩ። ከምቲ “ሓባእ ቁስሉስ ሓባእ ፈውሱ” ዝበሃል ናትና ሕጽረት ኣቐሚጥና ኣብ ምርጋም ነቲ ባዕሉ ጸረ ህዝባውነቱ ዝኣወጀ፡ ዓቕምናን ግዜናን ምብኻን መፍትሒ ኣይኮነን። እዚ ማለት ግና ሃገር ከድሕን ዝኽእል እጃምና ንግበር ንምባል እንተዘይኮይኑ፡ ገበናት ናይቲ ጉጅለ እናተኸታተልና ምቅላዕ ኣይጉዳይናን’ዩ ማለት ኣይኮነን።
ርግጽ እዩ ኤርትራውያን ብእምነታት፡ ኣውራጃታት፡ ብባህልታት፡ ብቋንቋታትን ካልእን ንፈላለ ኢና። ኩሉዚ ግና ብዙሕነታዊ ድምቀትናን መልክዕናን እምበር፡ ኣብቲ ንኹልና ዝምልከት ብሓባር ክንጐዓዞ ዝግብኣና መስርዕ ቃልሲ ከይንስለፍ ዝዓግተና ኣይኮነን። ብዙሕነትና ዘሕይለና ምእንቲ ክኸውን ድማ ብልቦናን ብሓላፍነትን ከነመሓድሮ ዘኽእለና ኣተሓሳስባ ክንውንን እንከለና ጥራይ እዩ። ድሌትና ካብ ምውጋድ ጉጅለ ህግደፍ ጀሚርካ ክሳብ መድረኽ ድሕረ-ህግደፍ ብዙሕ ምዃኑ ንጹር እዩ። ከምቲ ብዝሑ ብሓንሳብ ዓትዒትና ሒዝና ከነዕውቶ ከምዘይንኽል ከኣ ክንግንዘብ ይግበኣና። ነዚ ክንበቅዕ ድማ ናይ ዕማምና ቀዳምነታት ሰሪዕና፡ ዝተጸንዐ ንኹልና ዘማእክልን ዘሳትፍን ክኸውን ይግበኦ። ቀዳምነትና ከይሰራዕና ብሓንሳብ ናብ በበይኑ ኩርነዓት ኣብ እንቋምተሉን ግና ኣይክንዕወትን ኢና። ኣይንዕወትን ጥራይ ዘይኮነ፡ ኣብቲ ዕንይንይ ብቐሊሉ ንህግደፋዊ ኣዕናዊ ንፋስ እንጥቃዕ ኢና ንኸውን።
ህዝባዊ ቃልሲ ምዕዋቱ ግድን’ኳ እንተኾነ፡ ዘይምኽኑይ ግዜ ነባኽን ምህላውና ዘሰክፍ ኢዩ። ህዝብና ከምዚ ክዕዘብ እንከሎ፡ ኣብ ልዕሌና ዝነበሮ እምነት የጉድል፡ ቃልስና ይተሓላለኽ፡ ዓወትና’ውን ይደናጐ። ከምዚ ንርእዮን ንዕዘቦን ዘለና ጉጅለ ህግደፍ ንኤርትራዊ ኣጀንዳ ረጥሪጡ፡ ዕድመ ስልጣኑ ንምንዋሕ እንተዘይኮይኑ፡ ብመንጽር ባህጊ ህዝብና ምስ ዝረአ፡ ኤርትራዊ ፋይዳ ዘየብሉን ቀዳምነት ዘይወሃቦን መኣዝን ቃልሲ ዘስሕት፡ ዓንቃፊ ኣጀንዳታት ይድርብየልና። ብብዙሕ መልከዓት ዝግለጽ ኤርትራዊ ክብርን ንብረትን ከኣ ኣብ ዘይቦታኡ ይባኽን። ኣብዚ እዋንዚ ኣብ ውግእ ትግራይ ዝሃልቕ ዘሎ ኤርትራዊ ህይወት፡ ዝባኽን ዘሎ ንብረትን ዝጽየቕ ዘሎ ኤርትራዊ ምስልን ካብዚ ወጻኢ ዝረአ ኣይኮነን። እቲ ዘሕዝን ከኣ ጉጅለ ህግደፍ ኣብዚ መዳይዚ ዝፍጽሞ ዘሎ ገበናት ምቅላዕ ማለት ኤርትራዊ ክብሪ ከም ምግሃስ ወሲዶም ንተግባራት እቲ ጉጅለ ከጸባብቑ ዝደኽሙ ኤርትራዊ ወገናት ምህላዎም እዩ።
ከምቲ እንሓስቦ ኣንጻር ህግደፍ ተዓዊትና ህዝብና ሓራ ከነውጽእ ናይ ዘይምኽኣልና ምስጢር፡ ነቲ ዘራኽበና ከነቐድምን ከነሕይልን ዘይምብቃዕና ምዃኑ እሙን እዩ። ካብዚ መዋጸኦ ዝኾነና ከኣ ኣብ ኢድና ዘሎ እምበር፡ ካብ ካልእ እንጽበዮ ውህብቶ ኣይኮነን። “እሞ እቲ ሕማም ካብ ተፈለጠ፡ መድሃኒቱ’ውን ኣብ ኢድና ካብ ሃለወ ደኣ ተፈዊስና ዘይንሓውየሉ ምኽኒያት እንታይ እዩ?” ኢልና ንሕተት። መልሱ ነቲ ዘራኽበና ጉዳያት ከነቐድምን ከነሐይልን ዘይምኽኣልና ምዃኑ ድማ ንተኣመን።
ቃልስና ካብ መሰረቱ ምዕቃብ ልኡላውነት ሃገር ነይሩ፡ ሕጂ እውን እዚ ሓላፍነትዚ ምህናጽ ልኡላዊት ሃገር ወሲኹ ህያው ኣሎ። ልኡላውነት ሃገር ክንብል እንከለና ካብ ክብርን ሓድነትን ህዝቢ ፈሊና እንርደኦ ዘይኮነ ምስኡ ሓቢሩ ዝግለጽ እዩ። ኣብዚ ዝሓለፈ ናይ ድሕሪ ናጽነት ዓመታት ብፍላይ ምስ ምትግባር ቀያድን ናይ መወዳእታን ብይን ዶብ ኤርትራን ኢትዮጵያን ተተሓሒዙ ንልኡላውነት ሃገርን ህዝብን ፈላሊኻ ናይ ምርኣይ ዝንባለታት ከሰሓሕብ ጸኒሑ እዩ። ዝንባለታት ጥራይ ዘይኮነ “ኣየናይ ይቐድም፡ ምትግባር ብይን ዶብዶ ወይስ ንጉጅለ ህግደፍ ኣወጊድካ፡ ህዝቢ ካብ ወጽዓ ሓራ ምውጻእ?” ዝብል ኣዝዩ ኣከራኻርን ከም ናይ ፖለቲካዊ ኣተሓሳስባ መፈላለይን ኮይኑ ዝቐረበሉ ኣጋጣምታት እውን ነይሩ። ካብዚ ብምንቃል ኣብቲ ምስ መንግስቲ ኢትዮጵያ ክግበር ዝግበኦ ዝምድና እውን ናይ መቀራረብን መረሓሓቕን መምዘኒ ዝኾነሉ ኣጋጣምታት እውን ነይሩ።
ቃልሲ ህዝቢ ኤርትራ ካብ ንግሆኡ ዝተበገሰሉ ፖለቲካዊ ዕላማ፡ ክሰፍሕ እንከሎ፡ ምውሓስ መሰል ርእሰ-ውሳነ ህዝቢ ኤርትራ እዩ። እዚ ከኣ ብሓደ ካብዞም ከሰሓሕቡ ዝጸንሑ፡ ነጻጺልካ ብምሓዝ ንልኡላውነት ሃገር ወይ ክብሪ፡ ሓድነትን ሓርነትን ህዝቢ ዘይኮነ፡ ንክልቲኦም ሓቚፉ ብዝሓዘ ኣገባብ እዩ ዝረጋገጽ። ልኡላውነት ኤርትራ ጉዳይ ህዝቢ ኣብ ግምት ብዘየእተወ፡ ብሩባታት፡ ጐላጉል፡ ወደባትን ባሕርን ዝመልከዓት ሃገር ምውናን ጥራይ ማለት ኣይኮነን። በቲ ሓካልእ ገጹ እውን ካልእ ኩሉ ብቕዓት፡ ሓርበኝነትን ሓድነትን ብዝውንን ግና ሃገር ብዘየብሉ ህዝቢ ጥራይ ዝረጋገጽ ኣይኮነን። ስለዚ ልኡላውነት ሃገርን ህልውና ህዝብን ሓደ ካብቲ ሓደ ፈላሊኻ ዘይረኣዩ ምዃኖም ሓላፍነታዊ ግንዛበ ክንወሰድ ይግበኣና። ንልኡላውነት ክትቃለሰ እንከለኻ እንተላይ ንሓድነትን ሓርነትን ህዝቢ፡ ንሓርነት ህዝቢ ክትቃለስ እንከለኻ እውን እንተላይ ንልኡላውነት ሃገር ትቃለስ ኣለኻ ማለት ምዃኑ ካልእ ግንዛበ ዘድልዮ እዩ። እቲ “ጉዳይ ሃገርዶ ጉዳይ ህዝቢ ኣየናይ ነቐድም?” ዝብል ናብ “ደርሆዶ እንቋቁሖ ይቕድም” ዝዓይነቱ ሸንኮለል ዝወስድ ስለ ዝኾነ፡ ንጉዳያት ኣስፊሕና ከነገናዝብ ይግበኣና እዩ። ክነጻጸሉ ዘይግበኦም ጉዳያት ነጻጺልካ ሸንኮለል ኣብ ምባል እቲ ቀንዲ ተጠቓሚ መላኺ ጉጅለ ኢሳያስ እዩ። ምኽንያቱ ኣብቲ ሸንኮለል ተኸዊሉ ብልኡላውነት ንክጣላዕ ስለ ዝሕግዞ።
ልኡላውነት ሃገርን ሓድነት ህዝብን ሓንሳብ ተቓሊስካ ምስ ኣመዝገብካዮ፡ ኣኺልዎ ኢልካ እተዋድቖ ኣይኮነን። ብኣንጻሩ ዘየቋርጽ ሓለዋን ክንክንን ዘድልዮ እዩ። ካብዚ ብምንቃል ኢና ከኣ ልኡላውነት ሃገርናን ብዙሕነታዊ ሓድነት ህዝብናን ወትሩ ነቒሕና ከም ብሌን ዓይንና ክንሕልዎም ዝግበኣና። ብፍላይ ኣብ ከምዚ ሎሚ ሃገርና ኣብ ትሕቲ፡ ብዘይፈቓድ ህዝቢ ኣብ ስልጣን ብዝተኾየጠ፡ እሞ ከኣ ህዝቢ ብዘይፈልጦ ሕግን ትካላትን “ኣመሓድር ኣለኹ” ዝብል ኣካል ኣብ ዘላትሉ፡ ንልኡላውነት ሃገርን ሓድነት ህዝብን ኣብ ሓደጋ ናይ ምውዳቖም ዕድል ክፉት እዩ። ብዙሓት ናይዚ ዓውዲ ክኢላታት ከም ዝግምትዎ፡ ጉጅለ ኢሳያስ ከጸብቕ እዩ ዘይተዓደለ እምበር፡ ኣብዚ መዳይዚ ክጽይቕ ኣይክእልን እዩ ኢልካ ምድምዳም ኣጸጋሚ እዩ። ሎሚ ኣብ ብዙሓት መድረኻት ስም ኤርትራን ናይቲ ዝገዝኣ ዘሎ ጉጅለን ዝለዓለሉ ዘሎ ኣገባብን ቅኒትን ከኣ ነዚ ስግኣትዚ ዘመልክት እዩ።
ኣብዚ ዝሓለፈ ሰለስተ ዓመታት ዲክታተር ኢሳያስ ነቲ ንብዙሓት ዘዛረበን ዘዛርብ ዘሎን፡ ትካላውነትን ግሉጽነትን ዘይነበሮ፡ መንቀሊኡ ኮነ መዓርፎኡ ዘይፍለጥ ዝምድና ኤርትራን ኢትዮጵያን ተጐዝጒዙ ከቕርቦ ዝጸንሐ ጠገለ ዘይነበሮ ግና ከኣ ሓሲቡ ዝገበሮ ኣዕናዊ ምርጫ ምንባሩ፡ እዚ ሎሚ ዝረአ ዘሎ ምልክታት ናይቲ ዝተጠቕሰ ስግኣትን ሓደጋን ውጽኢት እዩ። ኢትዮጵያውያን እቲ ቅድም ምሃለውለው ኢሳያስ ዘርኣይዎ ስቕታን ጉርሕን ድማ ነቲ ዝበሎ ናይ ምርጓድ ዝንባለ ነይሩ። እዚ ስቕታ ኢትዮጵያውያን ኢሳያስ ኣብ ልዕሊ ልኡላውነትናን ሓድነት ህዝብናን ንክጽይቕ ከም ዘተባብዖ ዘረድእ እዩ። ሎሚ ግና ገለ ርትዓውያን ፖለቲከኛታት ኢትዮጵያውያን ምስ ሓደ ኣብ ሃገሩ እሾኽ ዝዘርአ ጽቡቕ መጻኢ ዘይረኣዮ፡ ኣብ ጥዕናኡ ዘጠራጥር ብቒምን ቅርሕትን ዝመረተ “መራሒ ሃገር” ምዝማድ ክሳብ ክንደይ መዘዝ ከም ዘምጸኣሎም ዓው ኢሎም ክዛረቡ ጀሚሮም ኣለዉ። ንሕና ኢስያስ ልኡላውነት ሃገርና ኣሕሊፉ ከይዕድለልና ክንሰግእ እንከለና፡ ብሕቡእ ስምምዕ ወደብን ባሕርን ከይምጥው ጥራይ ዘይኮነ፡ ክብርን ሓድነትን ናይቲ ብቃልሱ ልኡላዊት ሃገር ዘውሓሰ ህዝቢ ኣብ ሓደጋ ከየእቱ እውን ኢና። እንተኾነ እዚ ኢሳያስ ካብ ትንዕምንዕ ሓሊፉ ተደቕዲቕዎ ዘሎ ንኤርትራዊ ልኡላውነት ዝህድድ ሓደገኛ ኣቕጣጫ፡ እንተገደደስ ዋጋኡ ይኸብርን ዝወስዶ ግዜ ይነውሕን እምበር ዘይዕጸፍ እዩ ማለት ኣይኮነን። ምኽንያቱ ካብ ድሌት፡ ኣፍልጦን ፈቓድን ህዝብና ክኸይድ ይደሊ ስለ ዘሎን ኣብ መወዳእታ ውሳነ ህዝቢ ክስዕር ናይ ግድን ስለ ዝኾነን። ምስዚ ኩሉ እምበር “ልኡላውነት ሃገርን ህዝብን ናይ ምዕቃብ ብደሆ” ዝከኣል ግና ከኣ ብቐሊሉ ዝዋሓስ ስለ ዘይኮነ፡ ብዓንተብኡ ክንዕጠቐሉ ዝግበኣና ናይ ሓባርና ሓላፍነት እዩ። ህዝቢ ኤርትራ እውን ኣብዚ ወሳኒ ግዜ ሓላፍነቱ መተካእታ ዘየብሉ ምዃኑ ንካልኢት’ውን ክዝንግዕ ኣይግበኦን።
ሎሚ ንልኡላውነትናን ሓድነት ህዝብናን ዝጻብኡ ወስታታት ዋናኦም ህግደፍ ጥራይ ኣይኮነን። እንተ ብፍላጥ እንተ ብዘይፍላጥ ንእኩይ ተግባራ ጉጅለ ህግደፍ ዘራጉዱ ኣእማን ዝድርብዩ ካልኦት ወገናት እውን ኣለዉ። ዝተፈላለዩ ዘቤታዊ ዝንባለታትን ምስ ጐረባብትና ህዝብታት ዘለና ማሕበረ-ባህላዊ ምምስሳልን እንዳመዝመዙ፡ ንሓንሳብ ማዕረ ኤርትራዊ ሃገርነት ንሕንሳብ ከኣ ካብኡ ንላዕሊ ኣበሪኾም፡ ዝተፈላለዩ ኣንጻር ሓድነት ህዝብና ዘቐንዑ ኣጀንዳታት ምሂዞም ዝንቀሳቐሱ ንዕዘብ ኣለና። እዚኣቶም ዝኸድዎ መንገዲ ክሳብ ክንደይ ነቲ ልኡላውነት ሃገርን ህዝብን ናይ ምዕቃብ ሓላፍነትና ከም ዘኽብዶን ከም ዝሓላልኾን ክግንዘቡ ከኣ ብዚ ኣጋጣሚ ከነዘኻኽሮም ንፈቱ። ምዕቃብ ልኡላውነትን ሓድነትን ንኹልና ኤርትራውያን፡ ትሕቲ ኤርትራዊ ሃገርነት ዝስራዕ መንነትና ብዘየገድስ ዝምልከት እዩ። ነዚ ንኡስ መንነትና ነንጸባርቐሉ ናይ እምነት ድዩ ናይ ባህሊ፡ ናይ ቋንቋ ድዩ ከባቢ ዛዕባ፡ ማዕረ እቲ ዝዓበየ ኤርትራዊ ኣጀንዳና ሰሪዕና ንጉጅለ ህግደፍ ስዒርና ልኡላውነት ሃገርን ሓድነት ህዝብን ኣብ ድልዱል ባይታ ከነውሕስ ከቢድ እዩ። እንተኾነ፡ ብዘይዕጸፍ ቅሩብነትን ዓቕምን ህዝብና ከነዐውቶ ኢና።
ርእሰ-ዓንቀጽ ሰዲህኤ
ኤርትራ ሃገርና ብመስዋእቲ ጀጋኑኣን መስተንክራዊ ጽንዓት ህዝባን እያ ናጻ ኮይና። ስለዚ ኣይኮነንዶ ክንዲ ህይወት ዝኣክል ክቡር ዋጋ ምእንታኻ ንዝኸፈለ፡ ካብኡ ዝተሓተ ጽቡቕ ንዝወዓለልካ እውን ምምስጋንን ኣመስጊንካ ንኣመሰንገንቲ ምሃብን ግቡእ ስለ ዝኾነ ሰማእታትና ክንዝክሮም ግድን እዩ። ነቲ ምእንቲ ክብርኻ ዝሐለፈ፡ ኣበይን መዓስን ክትዝክሮ ከም ዝግበኣካ ምውሳን ከኣ ቅቡል እዩ። ብመንጽርዚ ኤርትራውያን ሰማእታት ዝዝከሩላን ዝምስገኑላን ዕለት ክህልዎም ዝቃወም የለን። ምእንቲ እቲ ናይ ዝኽሪ ዕለት ኣብ ልቦና ኩሉ ዝሓድርን፡ ኣብ ዝተፈላለያ ውድባት ንዝተሰውኡ ዘማእክልን ንከኸውን፡ ኩሎም ኤርትራውያን ዝሰማምዕሉ ምኽንያታዊ መዓልቲ ምግባሩ ከኣ ኣገዳስነቱ ዕዝዙ እዩ። ድሕሪ ናጽነት ኤርትራ ቅዳምነት ክወሃቦም ካብ ዝነበሩ ዛዕባታት ሓደ ክኸውን ከኣ መተገበኦ። እንተኾነ ብሰንኪ ዘይግሉጽን ዘይሓላፍነታውን ኣካይዳ ህግደፍ ከምቲ ኣብ ካልእ ጉዳያት መድረኽ እሂንምሂን ዘይተፈጥረ ኣብዚ’ውን ኣይተራእየን።
ዘይሩ ዘይሩ ግና እቲ ዛዕባ ረዚን ስለ ዝኾነ፡ መንን ስለምንታይ ወሲንዎን ብዘየገድስ፡ ሰማእታትና ሓንቲ መዓልቲ ኣብ ዓመት ጥራይ ዘይኮነ ወትሩ ኣብ ሕልናና ስለ ዘለዉ 20 ሰነ ጓይላን ጃህራን ህግዲፍ ንምድማቕን ንሸፈጥን ዘይኮነ፡ ንክብሪቲ ዘይሃስስ ሕድሮም ምዝካራ ኣገዳሲ እዩ። ኤርትራዊ ሰማእትነት ነቶም ኣብ ዓውዲ ውግእ ዝተሰውኡ ጥራይ ዝምልከት ዘይኮነ፡ እንተላይ እቶም ኣበይን መዓስን ብዘየገድስ ምእንቲ ኤርትራን ናጽነታን ዝወደቑ ኩሎም ኤርትራውያን ጀጋኑ ዘጠቓልል እዩ። ብመንጽርዚ እቲ ልዕሊ 60 ሺሕ እንዳተባህለ ዝጥቀስ ቁጽሪ ኣብ ብረታዊ ቃልሲ ምእንቲ ናጽነት ዝተሰዉኡ ኣዝዩ ውሑድ ምዃኑ፡ ብዙሓት ነዚ ዛዕባ ቆላሕታ ሂቦም ዝሓሰብሉ ዝሰማምዕሉ እዩ።
እቶም ናይ ድሕሪ ናጽነት ሰማእታት ክውሰኽዎ እንከለዉ ከኣ’ሞ እቲ ኣሃዝ ኣበይ ከም ዝበጽሕ ርዱእ እዩ። ጉጅለ ህግዲፍ እቲ መዳለዊ ባህሪኡ ኣብ ኩሉ መዳያት ስለ ዝንጸባረቕ ባዕሉ ናይ ዝቐንጸሎም ሰማእታት መርድእ ንቤተሰቦም ኣይተነግረን። ኣብ ተጋድሎ ሓርነት ኤርትራ ዝተሰውኡ ሓርበኛታት እውን፡ ብዘይካ ውሱናት ከምኡ ኣብቲ ጉጅለ ህግዲፍ ዝቐለሶ ዝርዝር ሰማእታት ኣይሰፈሩን። እንተኾነ ኣብ ዝርዝር ህግደፍ’ኳ እንተዘይሰፈረ፡ ታሪኽ ኩሎም ሰማእታት ኣብ ሕቑፊ ሃገሮምን ህዝቦምን ህያው ኮይኑ ክነብር እዩ። ኣብ ግዜ ቃልሲ ኣብ ኤርትራ ስዉእ ዘይወደቐላን ቅያ ዘይተሰርሓላን መዓልቲ ኣይነበረትን። ስለዚ ብግብሪኳ ዘጸግም እንተኾነ፡ ኩሉሳዕ መዓልቲ ሰማእታትዩ እንተ ተባህለ ምግናን ኣይከውንን።
ዲክታቶር ኢሳያስ ኣፈወርቂ ኣብ ጽባሕ ውድቀት ስርዓት ደርግ ብ20 ሰነ 1991 ብምኽንያት መዓልቲ ሰማእታት ንመጀመርያ ግዜ ድሕሪ ናጽነት፡ ኣብ ስታድየም ኣስመራ ዘስመዖ መደረኡ “ደጊም ናይ ውድባት ሓሸውየ የለን። ንህዝቢ ብቕሉዕ ይኹን ብጉልባብ ናይ ምክፍፋል ስልትታት ከቢድ ገበን ከም ዝቑጸር ክዝንጋዕ ኣይግባእን” ዝብል መርዚ ይርከቦ። እቲ ንህዝቢ ምክፍፋል ከቢድ ገበን’ዩ ዝበሎ፡ መልእኽቱ ንናይ ምውዳብ መሰረታዊ መሰል ዝሕርም፡ ካብቲ ንሱ ዝመርሖ ውድብ ወጻኢ ምስ ካልእ ምስላፍን ካብ ናቱ ዝተፈልየ ኣተሓሳስባ ምስጓምን እዩ። እዚ ከኣ ናይቲ ክሳብ ሕጂ ካብ ዝኸፈአ ናብ ኣዝዩ ዝገደደ ዝሰጋገር ዘሎ ጥልመቱ ኣብ ልዕሊ ሕድሪ ሰማእታት ወግዓዊ መግለጺኡ ነይሩ።
ሕድሪ ሰማእታት ኤርትራ፡ ኣብ ሓደ ውሱን ቦታ ኣእዋም ብምትካል፡ ዓመት ተጸቢኻ ሽምዓ ብምብራህ፡ ንቤተሰቦም ብህዝቢ ካብ ዝተለገሰ ቁንጣሮ ናቕፋ ብምሃብ፡ ታሪኽ ጅግንነቶም ኣብ መራኸቢ ብዙሃን ብምቅላሕን ብዘሕቆቅንቁን ዜማታት ንቤተሰቦም ብምንባዕን ጥራይ ዝጥበር ኣይኮነን። ምኽንያቱ መሰረታዊ ትሕዝቶ ሕድሮምን ለበዋኦምን፡ ኣብታ ብዋግኦም ርእሳ ዘቕነዐት ኤርትራ፡ ሕገመንግስታውን ኣብዘሓ ሰልፋውን ስርዓት ክትከል፡ ሰላምን ቅሳነትን ክሰፍን፡ ህዝቢ ኤርትራ ኣደልዲሉ ረጊጹ ኣብታ ሓላል መሬቱ ብዘይስኽፍታ ዝባኑ ቀሊዑ ከልምዕ፡ ልዕልና ሕጊ ክረጋገጽ፡ ኮታ እቲ ተካኢ ወለዶ መንእሰይ ንሰማእታቱ ሃገር ብምህናጽ ዝኽሕሰሉ ዘተኣማምን ሃዋህው ክፍጠር እዩ ነይሩ።
እቲ ብግብሪ ኣብ ሃገርና ዝረአ ዘሎ ዋላ ሓንቲ ካብ ሕድሮም ዘየኽብር ኩነታት ከኣ፡ ሓደ ጸረ ህዝቢ ባህርን ጸቢብ ረብሓን ዝኣከቦ ጉጅለ፡ ሕድሪ ሰማእታት ጠሊሙን፡ ልዕሊ ህዝብን ሕግን ዘሽካዕልለሉ፡ ሕድሪ ስዉኣት ኣጽኒዑ ተማሂሩ ሃገሩ ክሃንጽ ዝነበሮ መንእሰይ ወዲ ስዉእ፡ ገለን ኣብ ጉዕዞ ናብ ስደት ዝጠፍኣሉ ገለን ድማ ኣብ ዓዲ ጓና ኣደዳ ብዙሕ ስቓያት ዝኾነሉ ኩነታት ኢና ንዕዘብ ዘለና። ብዙሓት ኤርትራውያን ወለዲ ሰማእታት፡ ደቆም ከፊሎም ብደቂ ስዉኣት ደቆም ዝሕብሓብሉ ዕድሎም ዝመኸነሉ፡ ኢሳያስ ሕሉፍ ሓሊፉ ጥልመቱ ሰማይ ዓሪጉ፡ ነታ ዋጋ ሰማእታት ዝኾነት ልኡላዊት ኤርትራ ክጣለዓላ ትንዕምንዕ ዝብለሉ፡ ኮታ ወያ ሳላ ደቃ ህይወቶም ከይበቐቑ ዝተወፈዩላ፡ ናይ ጽንዓት ኣብነት ዝነበረት ኤርትራን ህዝባን፡ ናይ ኩሉ ሕማቕ ምምሕዳርን ድኽነትን ኣብነት ኮይና ኣብ እትጥቀሰሉ ቀራና መንገዲ ኢና ንርከብ ዘለና። ካብዚ ንላዕሊ መግለጺ ጥልመት ሕድሪ ሰማእታት ከኣ የለን።
“መራሒ ሃገር እየ” ስለ ዝበለ፡ ናብ ክሕደት ጉጅለ ህግዲፍ ዝያዳ ከነድህብ ንቡር እዩ። እንተኾነ ተረካቢ ሕድሪ ሰማእታትና ህግዲፍ ከም ጉጅለ በይኑ ዘይኮነ፡ መላእ ህዝቢ ኤርትራ ብሓፈሻ፡ መንእሰይ ከኣ ብፍላይ ተረከብቲ ሕድሪ ምዃኖም ክዝንጋዕ ዘይግበኦ እዩ። ሰማእታት “ኣነ ክሓልፍ ንስኻ ጽናሕ” ኣንዳበሉ ነታጒ ረጊጾም ቡንባ እንዳደርበዩ፡ ካብ የማነ-ጸጋሞም ዝሓለፉ፡ ሎሚ ብህይወት ዘለዉ መቓልስቶም ዝያዳ ተረከብቲ ሕድሪ እዮም። ነዚ ረሲዖም ኣብ ጐኒ ህግዲፍ ኮይኖም፡ ብገንዘብን ጹሩራን ተዓሽዮም፡ ሕድሪ ሰማእታት ዘዕብሩ ዘለዉ ውሑዳት ኣብ ላዕለዋይ ጽፍሒ ህግዲፍ ዘለዉ፡ ኣብዚ ታሪኻዊ ኣጋጣሚ ብዛዕባቶም “እቶ” እንዳበሉ ዘሰውእዎም ጀጋኑ፡ ነብሶም ክሓቱ ይግበኦም። ኣባላት ሓይልታት ምክልኻል ኤርትራ እቲ ረጊጽኩምዎ ዘለኹም መሬትን ጨቢጥኩምዎ ዘለኹም ብረትን ካብ ሰማእታት ዝተረከብኩምዎ ምልክት ጽንዓቶም እዩ እሞ ሕድሮም እንተ ጠሊምኩም ዓጽሞም ከይወግኣኩም ሕሰብሉ። ውላዶም ወይ ናይ ቀረባ ሰቦም ምእንቲ ሃገር ሞባእ ዝኸፈሉ ኤርትራውያን ስድራቤታት፡ ምእንቲ ሓላፊ ጠቕሚ፡ ምስቲ ሕድሪ ሰማእታት ዝጠለመ ጉጅለ ክትመሓዘዉ እንከለኹም ክሳብ ክንደይ ካብቲ ሓቂ ርሒቕኩም ከም ዘለኹም እተስተብህልሉን ናብ ልብኹም እትምለስሉን ኣጋጣሚ ምዃኑ ኣይትዘንግዑ።
ጉጅለ ህግዲፍ ኣብ ኣጋ ሞቱ፡ ንቡር መንገዲ ሒዙ ሕድሪ ሰማእታት ከኽብር እንጽበዮ ኣይኮነን። ሎሚ እሞኸኣ ሕሉፍ ሓሊፉ፡ ኤርትራዊ ዘቤታዊ ሓላፍነቱን ሕድሪ ሰማእታትን ምሉእ ብምሉእ ሓጢጡ ደርብዩ፡ “ኣብ ዘይጉዳይካ ናይ ምኹዳድ ዘይሓላፍነታውን ህዝቢ ከይልክም ኣብ ዘስግእን” መንገዲ እዩ ዝጐዓዝ ዘሎ። እቲ ኢድ ኣብ ጉዳይ ካለኦት ህይወት ኣእላፍ ኤርትራውያን መንእሰያት ዘኽፍል ኮይኑ ስለ ዘሎ ከኣ፡ ምስ ሕድሪ ሰማእታት ኤርትራ፡ ምሉእ ብምሉእ ዝጻረር እዩ። ነዚ ኩነታት ቀይርካ ንሕድሪ ሰማእታት ናብ ንቡር ቦታኡ ምምላሱ፡ ንኹልና ኤርትራውያን ዝምልከት’ዩ። ዝያዳ ከኣ እቲ ትማሊ ብጾቱ ኣብ ሜዳ ቀቢሩ ሕድሮም ተቐቢሉ ዝመጸን “ናይ ናጽነት ሓርበኛ” ዝተባህለን ነባር ተጋዳላይ፡ ሎሚ ኣካል ምክልኻል ኤርትራ ኮይኑ ዘዋግእ ዘሎ፡ ክልተሻብ’ዩ ተራእዩ። ሓርበኛዊ ታሪኹ ተደዊኑ፡ “ወራሪ፡ ሰራቕን መሰላት ንጹሃት ዝግህስን” ይበሃል ኣሎ። ሕድሪ ሰማእታት ከኽብርስ ይትረፍ ክብሩ እውን ክዕቅብ ኣይከኣለን። ስለዚ ኣብዚ ታሪኻዊ ኣጋጣሚ ክበራበርን፡ ቅድም ስሙ ክዕቅብ ደሓር ከኣ ሕድሪ ሰማእታት ከኽብር እንተተሰቊርዎስ ንጽወዖ ኣለና።
ዝኽርን ክብርን ንሰማእታት ኤርትራ!
ርእሰ-ዓንቀጽ ሰዲህኤ
ኣብዚ እዋን’ዚ መሰረታዊ ድሌት ህዝቢ ኤርትራ ካብቲ ኣትይዎ ዘሎ ክቱር ጭቆና ጉጅለ ህግደፍ ምንጋፍ እዩ። እዚ ምንጋፍ ብጥሪኡ ዘይኮነ፡ ኣብ ክንድቲ ጭቆና፡ ሰላም፡ ሓርነት፡ ልዕልና ሕግን ምኽባር ኩሉ መሰላትን ብዘረጋግጽ ብዓብይኡ ከኣ ብሕገ-መንግስታዊ ዲሞክራስያዊ ምምሕዳር ምትካእ እውን ዘጠቓልል እዩ። እቲ ናይ ህዝቢ እዩ እንብሎ፡ እቲ ካብ ጭቆና ምንጋፍ ጥራይ ዘይኮነ፡ ነዚ ንምዕዋት ዝግበር ቃልሲ እውን ናይ ህዝቢ እዩ። ግደ ኤርትራዊ ናይ ለውጢ ውዳበታት እውን ንግደ ህዝቢ ዝትክእ’ኳ እንተዘይኮነ፡ ዕዙዝ ቦታ ዝወሃቦ ምዃኑ ዘይዝንጋዕ እዩ።
ነዚ “መሰረታዊ ትጽቢት ህዝብና እዩ” ዝበልናዮ ራህዋ ንምዕዋት ነቲ መግለጺና ዝኾነ ብዙሕነትና በብመልክዑ ኣብ ግምት ዘእተወን ንናይ ሓባር ረብሓና ዘዕዝዝን መንገዲ ምጽራግ ናይ ግድን እዩ። ኤርትራውያን ካብ ኤርትራውነትና ዝነቅል ዘሰማመዓናን እቲ ኩለ-መዳያዊ ብዙሕነታዊ ኣካውናና ዝፈጥሮ ዝፈላሊ ከም ዘለና እንእመነሉ እዩ። እቲ ዘዋጸናን ናብቲ ንቃለሰሉ ዘለና ዓወት ዘብጸሓናን ከኣ ወይ ነቲ ዘሰማምዓና ወይ ድማ ነቲ ዝፈላልየና መዚዝካ ሓዲኡ ምውሳድ ኣይኮነን። ኣብ ክንድኡ ንክልቲኡ ዘከኣእል ሓቛፊ ሓላፍነታዊ መንግዲ ምሓዝ መተካእታ የብሉን። ብዙሕነትና ናይ ብሓቂ ጸጋናን ምንጪ ሓይልናን ዝኸውን ከኣ ኣብ ከምዚ ኩነታት እዩ።
ንጉዳያት ኣከኣኢልና ከነድምዕ ክንስጉም እንከለና፡ ዝያዳ ከነትኩረሉን ፍሉይ ግምት ክንህቦን ዝግበኣና ኤርትራዊ ህልውናን ረብሓ ህዝባን ልዕሊ ኩሉ ምስራዕ እዩ። ናይዚ ምስጢር ንጹር እዩ። ኤርትራን ኤርትራውነትን ኣብ ዘይተዓቀበሉ ካልእ ድሌት ምዕዋት ስለ ዘይከኣል። ነዚ ኣብ ግምት ኣእቲኻ ነናይ ውዳበኻ ኣተሓሳስባ ምንጽብራቕ ግና መሰል እምበር ሓጥያት ኣይከውንን። ብጉዳይ እምነትካ፡ ቋንቋኻ፡ ከባቢኻ፡ ባህልኻን ካልእን ምግዳስ እውን በመንጽርዚ እዩ ክምዘንን ክተሓዝን ዝግበኦ።
እዚ ንዘሰማምዕን ዝፈላልን ምክእኣልን ንብዙሕነት ምምሕዳርን ዝምልከት፡ ንኤርትራውያን ከም ሓድሽ ዝንገረና ዘይኮነ፡ ፍልልይካ ዓቂብካ፡ ኣብቲ ዘሰማምዓካ ብሓባር ክትቃለሰ ናይ ምብጋስ ናይ ነዊሕ ግዜ ተመኩሮ ዘለና ኢና። እንተኾነ ኣብዚ መዳይዚ ክሳብ ሕጂ ክንድቲ ንደልዮ ኣየድማዕናን። ናይ ዘይምድማዕና ምስጢር ከኣ ብግብሪ ከምቲ ንሓስቦ ናይ ዘይምዃን ሕጽረትና ምዃኑ ዘሰማመዓና እዩ ዝብል እምነት ኣለና። እዚ ሕጽረትዚ ከኣ ኩሉና አእጃምና ነልዕለሉ እምበር፡ ሓደ ኣካል ነቲ ካልእ ኣላጊቡ ተዓዛባይ ዝኾነሉ ኣይኮነን። ንዘይምድማዕና እቲ ቀንዲ ጠንቂ እቶም ንመርጾምን ንምስርቶምን መድረኻት ዘይኮኑ፡ ናይቶም ተዋሳእቲ ነቶም መድረኻ ዘይምብቃዕ ከይከውን ብደቂቑ ክምርመር ዝግበኦ እዩ። ኣብ ሓደ ናይ ሓባር ተበግሶ፡ ኣብ ሓጺር ግዜ ውጽኢት ከተመዝግብ ትብህግ እሞ በቲ ዝደለኻዮ ቅልጣፈ ዘይክትረኽቦ ትኽእል። ኣብ ከምዚ ኩነታት እቲ ጠንቂ እቲ ዝመረጽናዮ መራኸቢ መድረኽ ጥራይ ጌርካ ኣብ ምውሳድ ክንህወኽ ኣይግበኣናን። እኳ ደኣ እቲ ጸገም ካብቲ መዋስኢ ኣዳራሽ ዘይኮነ፡ ካብ ናይቶም ተዋሳእቲ ዘይቅሩብነትን ዘይምብቃዕን ከይከውን ተጠንቂቕካ ምምርማር የድሊ።
ብሓባር ኣንጻር ጉጅለ ህግደፍ ንሰለፍ ክንብል እንከለና ዝተፈላለዩ ኣገባባት ክንክተል ንኽእል። ወይ ምሉእ ምትሕንፋጻዊ ሓድነት ኣረጋጊጽና ሓደ ውድብ ወይ ሰልፊ ንኸውን። ኩነታት ኣብ ዘይበሰለሉ ተሓናፊጽካ ሓደ ኣብ ክንዲ ምዃን ዘሰማምዓካን ዝፈላልየካን ብግቡእ መሚኻን ኣነጺርካን ኣብቲ ዘሰማመዓካ ኣብ ትሕቲ ሰፊሕ ጽላል ተወሃሂድካ ክትሰርሕ ትኽእል። እዚ ከምዚ ኣብዚ እዋንዚ ፖለቲካዊ ሓይልታት ኤርትራ (ፖሓኤ) ዝጽዕተሉ ዘሎ ኣገባብ ማለት እዩ። እዚ ብፖሓኤ ተታሒዙ ዘሎ ብሓባር ናይ ምቅላስ መንገዲ በቲ ሓደ ወገን ኣብዚ እዋንዚ ወጻዒ ጉጅለ ህግደፍ ንምውጋድ ንቃለሰሉ ናይ ሓባር መሳርሒና እዩ። በቲ ካልእ ወገን ከኣ ጽባሕ ሓደ ውድብ ወይ ሰልፊ ንምዃን ምትእምማን እነጥርየሉን ኣጸቢቕና እንላለየሉን መስርሕ እዩ።
ኣብ ሰፊሕ ጽላል እንዳተቓለስካ ካብቶም ኣብቲ ጽላል ዘለዉ ኣካላት “ንበቕዖ ኢና” ኢሎም ክሳብ ዝወሰኑ፡ ምሉእ ብምሉእ ክሰምሩ ዘተባብዕ እምበር ዝኽልክል ኣይኮነን። ኣብዚ ቀረባ ግዜ ካብቶም ተበግሶ ፖሓኤ ንምዕዋት ክቃለሱ ዝጸንሑ ሓይልታት ሰለስተ ውድባት ሓድነት ምፍጣሮም ናይዚ መርኣያ እዩ። እቶም ካለኦት ውድባት “ንዓኻትኩም የማስለና” ብዘስምዕ ሰናይ ትምኒትና ዝገለጽናሎም እውን ካብዚ ተረድኦዚ ብምንቃል እዩ። ኩልና ኣብ ሓደ እዋን ተገዲድና ሓደ ክንከውን ግና ናይ ግድን ኣይኮነን። ምኽንያቱ እቲ ናብዚ ዘብቅዕ ዕግበትን ድልዉነትን ኣብ ኩለን ውድባት ብሓንሳብ ክመጽእ ናይ ግድን ስለ ዘይኮነ። ካብዚ ነቒልና ኢና ከኣ ካብ መለለይታት ናይቲ ሎሚ ንቃለሰሉ ዘለና ናይ ጽባሕ ምምሕዳር ኤርትራ ሓደ “ብዙሕነታዊ” ክኸውን እዩ እንብል።
ነዚ ጀሚርናዮ ዘለና ሰፊሕ ጽላል ንምዕዋት ጌና ብዙሕ ጻዕሪ ዝሓተና እዩ። እቲ ጻዕሪ ንውሱናት መራሕቲ ውድባትን ሰልፍታትን ዝግደፍ ዘይኮነ፡ ዘይስገር ተሳትፎን ኣበርክቶን መሰረታት ናይተን ዝዋሰኣ ዘለዋ ውዳበታትን ሓፋሽ ህዝብን ዝሓትት እዩ። ኣብዚ ብብዙሕ ተኣኪብካ ናይ ምብታን ተመኩሮታት ዝሰከሐ ኤርትራዊ መድረኽ፡ እቲ ሓቢርካ ናይ ምቅላስ መስርሕ ተቐባልነት ክረክብ ቀሊል ኣይኮነን። እንተኾነ እቲ ቅሩብነትን ናይ ምዕዋት ጽምእን ክሳብ ዘሎ ቀጻሊ መዋጸኦ ዘይርከበሉ ኣይኮነን። እምበኣር ኣብዚ ዘለናዮ ግዜ ዘይህብ ኩነታት እቲ ዝሓሸ ምርጫ፡ ኣብ ክንዲ ኩነታት ከየብሰልካ “ግድን ኩሉና ሓደ ውድብ ወይ ሰልፊ ክንከውን ኣለና” ምባል፡ ወይ ናብ ሓደ ዘምጽእ ኩነታት ክሳብ ዝፍጠር ምጽባይ፡ ኣብቲ በቲ ሓደ ወገን ህግደፍ ነወግደሉ፡ በቲ ካልእ ወገን ከኣ ንድሕሪት ዘይምለስ ምትእምማን ነጥርየሉ ኣብ ተስፋ ዝህብ ደረጃ ዘሎ መስርሕ ምውህሃድ ኣጽኒዕካ ምሓዝን ምዕዋቱን እዩ።
ኣብ ኤርትራ ኣብ ዝሓለፈ ዓሰርተታት ዓመታት ዝነበረ ኩነታት ናይ ጸልማት ግዜ ነይሩ ሎሚ’ውን ኣሎ። እንተኾነ ብዘይካቲ ብላዕለዋይ ባይቶ ሰብኣዊ መሰል ሕቡራት ሃገራት ክካየድ ዝጸንሐ ፈተነታት፡ ፖለቲካዊ ኰነታት ሃገርና ብኽንድቲ ክብደቱ ዓለምለኻዊ ኮነ ዞባዊ ኣቓልቦ ክወሃቦ ኣይጸንሐን። ድምጺ ንዘይነበሮን ጌና ክሳብ ሎሚ እውን ንዘየብሉን ህዝብና “ድምጺ ክንኮኖ ኢና” ንብል ዘለና ኤርትራዊ ናይ ለውጢ ሓይልታት እውን ውሱንነትና ከም ዘለዎ ኮይኑ፡ ማዕረቲ ጻዕርናን ቅሩብነትናን ኣቓልቦ ክንረክብ ከምዘይጸናሕና እንዕዘቦ ዘለና እዩ። እንተኾነ እቲ ጸገም ናይቶም ክሰምዑና ዝግበኦም ግና ዘይሰምዑና ወገናት ጥራይ ዘይኮነ፡ ናትና ናይቶም ክንስማዕ ዝግበኣና ድኽመት ዝለዓለ ግደ ከም ዘጸንሖን ከም ዘለዎን ክዝንጋዕ ዘይግበኦ እዩ። ናይ ድኽመትና ቀንዲ መርኣያ ከኣ ብሓባር ክንስጉም ዘይምብቃዕና እዩ።
እቶም ወጻዒ ጉጅለ ህግደፍ ኣወጊድና፡ ኣብ ክንድኡ፡ ኣብ ሃገርና፡ ሕገመንግስታዊ፡ ትካላዊ፡ ኣብ ቅድሚ ህዝቢ ተሓታቲ፡ ኮታ ብዲሞክራስያዊ ምምሕዳር ክንትከኦ ንቃለስ ዘለና ዓቕምና ውሱን ምዃኑ ፍሉጥ እዩ። እቲ ቀንዲ ጸገምና ግና ዓቕምና ውሱን ምዃኑ ዘይኮነ፡ ነቲ ዝርካቡ ብሓላፍነት፡ ብህዝባዊ ሓልዮት፡ ብምክእኣልን ምጽውዋርን ከነዋፍሮ ዘይምጽናሕና እዩ። ደድሕሪ ጉጅለ ህግደፍ ዝኸፍቶ ኣጀንዳታት ምኻድ ዘይኮነ ናትና ኣንፈት ኣበጊስና ክንስጉም ዘይምጽናሕና እውን ካልእ ናይ ድኽመትና መርኣያ እዩ። ናብ ከምዚ ዝኣመሰለ ድኽመትን ሰዓብነትን ካብ ዘውደቑና ከኣ፡ ጉዳይና ብዘይካና ካልእ ዋና ዘይብሉ ምዃኑ ኣሚና ብምሉእ ልብናን ዓቕምናን ዘይምንቅስቓስና ሓደ እዩ። ርግጽ እዩ ናይ ቀረባን ርሑቕን ጸላእቲ ጉጅለ ህግደፍ ብዙሓት እዮም። እዞም ብዙሓት ጸላእቱ ከወግድዎ ከም ዝደልዩ ፍሉጥ እዩ። እንተኾነ ንሳቶም ካብ ናቶም ናይ ቀረባን ርሑቕን ረብሓኦም እምበር ከማና ካብ ኤርትራዊ ረብሓን ህልውናን ስለ ዘይነቕሉ፡ ናታቶም ዓቕምን ተበግሶን ንዓና መመላእታ እምበር መተካእታ ከምዘይኮነ ክንስሕቶ ኣይግበኣናን። እቲ ኣብዚ እዋንዚ መንግስታት ኣሜሪካን ካለኦትን ስኖም ነኺሰምሉ ዘለዉ ከኣ ብመንጽርዚ ኢና ክንርእዮ ዝግበና።
ኣብ ኤርትራ እቲ ህዝብና ዝጽበዮ ንሕና እውን ንቃለሰሉ ዘለና ለውጢ ምእንቲ ክረጋገጽ፡ ኤርትራዊ ዓቕምና ከይበኾረ ካልእ ሓይሊ እውን ኣብ ርእሲቲ ናትና እጃም; ኢዱ ክሕውስን ተጽዕኖኡ ኣብ ልዕሊ ህግደፍ ከሕይልን ንጽውዓሉ ዘለና እዋን እዩ። እዚ ማለት እቲ ዕማም ኩልና ንወፍረሉ እምበር ንውሱን ኤርትራዊ ሰልፍታት፡ ውድባት፡ ማሕበራትን ህዝባዊ ምዕዓላትን ጥራይ ዝምልከት ኣይኮነን። ብቀንዱ ከኣ፡ መላእ ህዝቢ ኤርትራን ፖለቲካዊ ውዳበታቱን ብዘይኣፈላላይ ክንናበብ ናይ ግድን እዩ። ከምቲ ኣብ ዓወትና ኩልና ክንሕበን ዝግበኣና፡ ኣብ ድኽመትን ተሓታትነትን እውን በብጽሒትና ክንወስድ ከም ዝግበኣና ኣይንስሓት።
ብሰንኪ ህግደፍ፡ ኣብ ልዕሊ ህዝብና ዘይተነግረ እምበር፡ ዘይወረደ ገበንን በደልን የለን። ህግደፍ ንሃገርናን ህዝብናን ሕድሩ ጠሊሙ ከም ናቱ ጉጅላዊ ንብረት ስለ ዝወሰዶ፡ ክብድሎ እንከሎ ዓገብ እንተተባህለ ኣይሰምዕን። ሕሉፍ ሓሊፉ ነቶም ንሕሱም ኣካይድኡ ዝነቕፉ ወገናት፡ ከም ጸላእቱ ይወስዶም። ካብዚ ሓሊፉ ከምቲ “ኮር ተገልበጥ” ዝበሃል፡ ኣብ ውሽጣዊ ጉዳዩ ከም ዝኣተዉዎ ቆጺሩ የጉባዕብዕ።
ኣብዚ እዋንዚ ጉጅለ ህግደፍ ነቲ ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ኤርትራ ዝለመዶ፡ ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ትግራይ እውን ይደግሞ ከም ዘሎ ናይ ኣደባባይ ምስጢር ኮይኑ እዩ። ንሕና እቶም ንተግባራት እቲ ጉጅለ ካብ ቀደም እንፈልጥ ሰራዊቱ ናብ ትግራይ ምኽታቱ ምስተረዳእና ሳዕቤኑ እንታይ ከም ዝኸውን ምግማቱ ዘጸገመና ኣይነበረን። ብኡ ንብኡ ድማ ሓደገኛነት ናይቲ ገዚፍ ኢድ ምትእትታዉ ብምስትውዓል ኮንኒናዮ ኢና። እቶም “እዚ ጉጅለ ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ኤርትራ ከምዚ ዝኣመሰለ ገበናት ይፍጽም ኣሎ” ኢልና ከነድምጽ እንከለና፡ ብምሉእ ልቦም ዘይቅበልዎ ዝነበሩ ወገናት፡ ኣህጉራዊ ሕብረተሰብ፡ ሎሚ ግና በዚ ኣብ ትግራይ ዝኽሰሶ ዘሎ ዶብ ዝሰገረ ገበናት ክሰናበዱ ናይ ግድን ኮይኑ ኣሎ። ምስንባድ ጥራይ ዘይኮነ፡ ይቕጽልዎዶ ኣይቅጽልዎን ሓቢርና ንርእዮ ኮይኑ፡ ሴፋቶም ክስሕልሉ እውን ንዕዘብ ኣሎና። እዚ ተበግሶ ንኤርትራዊ ሓላፍነትና ዝትክእ’ኳ እንተዘይኮነ፡ ቃልስና ንምውዕዓይ ሓጋዚ እዩ። ሓጋዚ ዝኸውን ግና ንኣካይዳና ምስዚ ዝወዓዋዕ ዘሎ ተረኽቦታት ከነበራብሮ እንተበቒዕና ጥራይ እዩ። ህልዊ ኤርትራውን ዞባውን ዛዕባ ውዑይ ኣጀንዳ ኣብ ዝኾነሉ ማዕሪኡ እንተዘይሰጒምና ግና “ሓጋዚታ ተረኣየትስ፡ መዲዳ ትሓብእ” ኮይኑ ግዜ ማዕሪኡ እንተዘይሰጒምና፡ ኣይክጽበየናን እዩ።
ህግደፍ “ህዝባዊ ሓልዮትን ተገዳስነትን” ዝበሃል ካብ መዝገቡ ዝሓኸኸ ብብደዐ ዝሰኸረ ትዕቢተኛ ጉጅለ እዩ። ዝኾነ ስጉምቲ እንተወሰደ ኣብቲ ዝርዝር ሕሳቡ ጉዳይ ህዝቢ የለን። ኩሉ ሃሙን ቀልቡን ሸማጢጥካ ኣብ ስልጣን ምቕጻል እዩ። ኣብዚ እዋንዚ ኣብ ጉዳይ ትግራይ ኢድ ምእታዉ እውን በዚ ጸማም ኣካይድኡ ዝተቓነየ እምበር፡ ናይ ኤርትራ ኮነ ናይ ህዝባ ጥዑይ መጻኢ ኣብ ግምት ዘእተወ ኣይኮነን። በዚ ዝኸዶ ዘሎ ንኤርትራዊ ጉዳይና መሊሱ ዘጋድድ ናይ ምዃኑ ዕድል ሰፊሕ እዩ።
በዚ ኮነ በቲ “ከባቢና ናብ ሓድሽ ምዕራፍን ናይ ሓይልታት ኣሰላልፋን ይኣቱ ኣሎ” ዝብል ናይ ብዙሓት ግምት እዩ። እዚ ሓድሽ ምዕራፍ ካብቲ ዝጸንሐ ዝተፈልየ፡ ነብሱ ዝኸኣለ ባህርን መንቀልን ኣለዎ። ገለ ወገናት ሓድሽ ኣሰላልፋ ሓይልታት ይፈጥር ኣሎ ክብልዎ እንከለዉ፡ ገለ ድማ እቲ ዝነበረ ኣሰላልፋ እዩ ዝምዕብል ዘሎ እምበር ሓድሽ ኣይመጸን ዝብሉ ኣለዉ። ሓደ ካብ ምኽንያታቶም ከኣ ጉጅለ ህግደፍ መልክዕ ክቕይር’ዩ ፈቲኑ እምበር፡ ኣብቲ ናይ ቅድም ንኤርትራን ከባቢኣን ናይ ምዝራግን ምሕማስን ተግባሩ እዩ ዘሎ ዝብል እዩ። እዚ ሚዛንዚ ናብቲ ሓቂ ዝቐረበ እዩ። እቲ ቀንዲ ቁምነገር ንህግደፍ እውን ዝህውጾ ዘሎ ሓድሽ ምውዕዋዕ ይፍጠር ምህላዉ እዩ። ስለዚ ንሕና፡ ሎሚ እውን ከም ናይ ቅድሚ ሕጂ “ኩነታት ከይገድፈና” ብዘይብቑዕ ምኽንያት ግዜና ከየባኸና ብሓባር ክንስጉም፡ ኣብ ቅድሜና ዘሎ ዘይስገር ብደሆ እዩ።
ርእሰ-ዓንቀጽ ሰዲህኤ
ኣብዚ ዝሓለፈ መዓልታት ኣብ ኤርትራዊ መድረኻት ኣዛረብቲ ካብ ዝቐነዩ ዛዕባታት ሓደ ዝኽሪ መበል 30 ዓመት ናጽነት ኤርትራ እዩ። ጽምዶ ኤርትራን ኢትዮጵያን ኣብ ውግእ ትግራይን ብሰንክዚ ኣብ ኤርትራውያን ዝምዕብል ዘሎ ናይ ኣረኣእያ ፍልልያት እውን መድረኽ ኣይለቐቐን። እነሆ ከኣ ናይ መገሻ እገዳ ሕቡራት መንግስታት ኣሜሪካ ኣብ ልዕሊ ህሉዋትን ቀዳሞትን መራሕቲ ኤርትራ፡ ኢትዮጵያን ህዝባዊ ወያነ ሓርነት ትግራይን እውን ናብ መደርኽ ወጺኡ ሓድሽ ኣዛራቢ ኮይኑ ኣሎ።
ኣብቲ ንዝኽሪ መዓልቲ ናጽነትና ዝምልከት፡ ኩለመዳያዊ ሕማቕ ህይወት ኤርትራውያን ድሕሪ ናጽነት ካብ ዘንቀሎ እንጽርጽሮት ዝተፈጥረ ዝመስል “ዝሓለፍናዮ ሰላሳ ዓመታት ናይ ናጽነት ዘይኮነ፡ ናይ ባርነት እዩ” ዝብል ድምጺ ውሑዳት ሓሓሊፉ ክስማዕ ጸኒሑ እዩ። እዚ ኣበሃህላ ከምቲ “እንተ ክንቡርኩት ዘይክንቡርኩት ኣብ ማይ ንብጻሕ” ዝበሃል፡ ናጻነትና ናይ ኩሉ እቲ ንመጻኢ እንውጥኖን እንቃለሰሉን ራህዋ፡ ቅሳነትን ልዕልና ፍትሕን መሰረት እዩ እሞ፡ ከይንጻብኦ ሓደራ ምባል ኣገዳሲ እዩ። ናጽነትናን ልኡላውነትናን ምስ ዲክታተር ኢሳያስ ደሪብና እነቆናጽቦ ዘይኮነ፡ ነብሱ ዝኸኣለ ብክቡር ዋጋ ሓርበኛ ህዝቢ ኤርትራ ዝተረጋገጸ መለለይናን ክብርናን ምዃኑ ዘይዝንጋዕ እዩ። ናጻ ሃገር እንተዘይትነብረናሞ፡ ከም ሃገራዊ መንነት ዘለዎ ህዝቢ ብዛዕባ መንግስታዊ ምምሕዳርን ዲሞክራስን ኣይምተዛረብናን።
ኣብ ዝኽሪ መበል 30 ዓመት ናጽነት ኤርትራ፡ ናይ ጉጅለ ህግደፍ ዓጀውጀውን ኮለልን ገዲፍካ፡ ኣብ ኤርትራዊ ሓይልታት ለውጢ፡ ሰልፍታት፡ ውድባት፡ ህዝባዊ ምልዓላትን ባእታታትን መልእኽቶም ከመሓላልፉ ቀንዮም። መብዛሕቶም ካብቶም መልእኽትታት ዘመሓላለፉ ካብ ዘይጓሰይዎም ዛዕባታት እዞም ዝስዕቡ ምጥቃስ ይከኣል። ንናጽነት ዝተኸፍለ ክቡር ዋጋን ናጻነት ፍረ ቃልሲ ኩሉ ኤርትራዊ ምዃናን፡ ምረት ኤርትራን ህዝባን ድሕሪ ናጽነትን ዝሓልፍዎ ዘለዉ ኣዝዩ መሪር ህይወትን፡ ነዚ ኤርትራን ህዝባን ዝሓልፍዎ ዘለዉ ጸልማት በዲህካ ኣብ ራህዋ ንምብጻሕ መሰረታዊ ተደላይነት ሓቢርካ ኣንጻር ህግደፍ ምቅላስን፡ ኣብዚ እዋንዚ ኣብ ጐረቤትና ትግራይ ዝካየድ ዘሎ ውግእ፡ ጽልዋኡ ኣብ ኤርትራን መዋጽኦኡን ዝብሉ ይርከብዎም።
ሓደ ካብቶም መልእኽቲ ዘመሓላለፉ፡ ኣቦመንበር ሰልፊ ዲሞክራሲ ህዝቢ ኤርትራ (ሰዲህኤ) ኣቶ ተስፋይ ወልደሚካኤል፡ ኣብ መልእኽቱ “ኣባላት ሰራዊት ኤርትራ ምስ ህዝብኹም ወግኑ ጥራይ ኣይኰነን ሕጂ እቲ ጻዋዒት። እቲ በደል ኣብ ርእሴኹም እውን ብጋህዲ ወሪዱ ኣሎ’ሞ ሃገርኩም ኣድሕኑ፡ ናጽነትኩምን ናጽነት ህዝብኹምን ዓቅቡ እዩ። ……… ፖሊቲካዊ ሓይልታት ኤርትራ ንውሽጣዊ ሓባራዊ ቃልሲ ኣቐዲመን ምትሕብባር የዕዝዛ ኣለዋ። እዚ ኩሉ ምዕባሌታት መስርሕ ውድቀት ምልኪ ከም ዝጀመረ እዩ ዘርእየና።” ዝብሎ ምጥቃስ ይከኣል።
ዳርጋ ቅድሚ 3 ዓመታት ከምዚ እዋን ኣብ ኤርትራዊ ኮነ ዞባዊ መድረኽ፡ ኣዛረብቲ ካብ ዝነበሩ ዛዕባታት ሓደ ርክብ መራሒ ጉጅለ ህግደፍ ኢሳያስ ኣፈወርቅን ቀዳማይ ሚኒስተር ኢትዮጵያ ዶ/ር ኣብይ ኣሕመድን ምንባሩ ይዝከር። ኣዛራራቢ ካብ ዝኾነሉ ቀንዲ ምኽንያት ከኣ፡ ግሉጽን ትካላውን ዘይምንባሩ እዩ። ነቲ ሽዑ ዝነበረ ናይ ክልቲኡ ሃገራት ዘይመሳሰል ኣገባብ ምምሕዳራት መዚኖም “እዞም መራሕቲ ኣበየናይ ኣተሓሳስባ ተረዳዲኦም እዮም ዝዛመዱ ዘለዉ?” ኢሎም ዝሓተቱ ብዙሓት ነይሮም። እዚ ከበሃል እንከሎ ግና ከምቲ ደሓር ብግብሪ ዝተራእየ፡ ቀንዲ ምቅርራቦም፡ ኣንጻር ህዝባዊ ወያነ ሓርነት ትግራይ (ህወሓት) ብሓባር ምኽታት ምንባሩ ሓበርቲ ምልክታት ኣይነበሩን ማለት ኣይኮነን። ብዘይካዚ እቲ ሓደገኛ ሃቐነ ኣንጻር ልኡላዊነትን ናጽነትን ኤርትራ ከም ዝነበረ እውን ዲክታተር ኢሳያስ ኣብ ዘዝኸዶ መድረኻ የርእዮ ብዝነበረ ቀልባዕባዕ ተጋሂዱ እዩ። እዚ ኢስያስ ዝፈጠሮ ሓደገኛ ስኽፍታ ሕጂ እውን ኣብ እንግደዓ ኩልና ኤርትራውያን ዘሎ እዩ።
በቲ ክጅመር ሽፉን ዝነበረ ሎሚ ግና እንዳሓደረ ዝገሃድ ዘሎ ዝምድና ናይዞም ክልተ መራሕቲ ዝተሰከፍና ኤርትራውያን ጥራይ ዘይኮና ኢትዮጵያውያን እውን ኣብ ዝተፈላልዩ ግምታት ተንጠልጢሎም ነይሮም። ብዙሓት “ዶ/ር ኣብይ ኣሕመድ ንኢሳያስ እንተ ኣረዲኡ እንተ ኣደናጊሩ ብውሕዱ ኣፍደገ ባሕሪ ከውህበና እዩ” ዝብል ትጽቢት ነይርዎም። እቲ ኢሳያስ ፈጺሙ ዘይግበኦ ክነሱ፡ ከምቲ “ዝብእስ ኣብ ዘይፈልጥዎ ዓዲ ከይዱ ቆርበት ኣንጽፉለይ በለ” ዝበሃል፡ ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ኤርትራ ዝፈጸሞ ጥልመት ዝሕባእ መሲልዎ፡ ኣብ ኢትዮጵያ ከይዱ ጥዑይ መሲሉ ክቐርብ ስለ ዝፈተነ፡ ወርቂ፡ ዋልታን ኲናትን፡ ፈረስን ገመልን፡ ጋብን ቡንን ምስላሙ እውን መሰረቱ ሕልሚ ኣፍደገ ባሕሪ ዝደረኾ እዩ ነይሩ።
ደሓር ግና ኢትዮጵያውያን እውን ስኽፍታኦም ኣብ ዝምድና ዶ/ር ኣብይ ምስ ኢሳያስ፡ ሰማይ ዓሪጉ። ሎሚ እሞ ከኣ ናይ ኢትዮጵያ ቅልውላው፡ ካብ ምስ ትግራይ ኣብ ውግእ ምእታው ጀሚርካ ክሳብ ግዳይ እገዳ ሕቡራት መንግስታት ኣሜሪካ ምዃንን ካብ ብዙሓት ፈተውቲ ኢትዮጵያ ምንጻልን ጠንቁ፡ ምስቲ ንህዝቡን ሃገሩን ዘይኮነ፡ ”ከም ሲንጋፖር ሓሊሙ ትሕቲ ሰሜን ኮርያ ኮይኑ ዝተረፈ ሰብኣይ ምዝማድና እዩ።” ዝብል ናይ ብዙሓት ኢትዮጵያውያን ፖለቲከኛታት ሚዛን ኮይኑ ኣሎ። እዚ መረረ ኣብ ልዕሊ ህግደፍ ብመንግስታዊ ኣካላት እውን ጀሚሩ ኣሎ። ላዕለዋይ ኣኽባር ሕጊ ኢትዮጵያ መጽናዕቲ ኣካይዱ ኣብዚ ቀረባ መዓልታት “ውተሃደራት ኤርትራ ኣብ ትግራይ 110 ንጹሃት ሲቪል ቀቲሎም” ክብል ዝሃቦ ምስክርነት ምጥቃስ ይከኣል። መንግስቲ ኤርትራ ከኣ ነዚ ዝሃቦ ምላሽ የለን።
ናብቲ ቀንዲ ጉዳይና ንመለስ። ንመዓልቲ ናጽነት፡ ነቶም ምእንተኣ ዝተሰውኡ ጀጋኑና ዘለና ኣኽብሮት፡ ኣብታ ዕለት ብእነስመዖ መደረታትን ጭረሖታትን ጥራይ ኣይኮነን ዝግለጽ። እቲ ቀንዲ መግለጺኡስ ኣብ ባይታ ብግብሪ ከምቲ እንምድሮን እንጭረሖን እንተኮይና ጥራይ እዩ ትርጉም ዝህልዎ። ሓቢርና ተቓሊስና ንህግደፍ ከነወግዶ ተስፋን ተኽእሎን ከም ዘለና ዝረኣዩ ዘለዉ ምልክታት ናብ ግብራዊ ዓወት ክንቅይሮም ክንበቅዕ ይግበና። ምኽንያቱ ብዛዕባ ኤርትራን ህዝባን ዝሓሰብና ጽቡቕ እንተሓሰብናን ተስፋ እንተሕደርናን ብዘይካ ብሓባር ንጉጅለ ህግደፍ ኣወጊድካ፡ ካልእ መሰጐሚ ኣቋራጭ መንገዲ ስለ ዘየለ። “ድሕሪ መበል 30 ዓመት ዝኽሪ ናጽነትናከ ናበይ?” ናይ ዝብል ሕቶ መልሲ እምበኣር “ናብ ምውጋድ ጉጅለ ህግደፍ” ዝብል እዩ።
ርእሰ-ዓንቀጽ ሰዲህኤ
ከቢድ ዋጋ ኣኽፊሉና ኢዩ። በዚ ኢዩ ድማ እዚ ክንዲዚ ዋጋ ዝኸፈልናሉ ናጽነት ተሓሊዩን ተኸቢሩን ክነብር ወትሩ ጥንቁቓት ክንከውን ዝህልወና። እቶም በዚ ሕጂ ኣብ ሃገርና ዘሎ ዘይህዝባዊ ምምሕዳር ተማሪሮም፡ ንቃልሲ ህዝቢ ኤርትራ ዘቆናጽቡ፡ ነቲ ዝተኸፍለ መስዋእቲ ከም ከንቱን ትርጉም ዘይብሉን ገይሮም ዝቖጽሩ ወገናት፡ ሃገር ማለት እንታይ ምዃኑ ዘይርድኡ ኢዮም።
መሰረታዊ ዕላማ ቃልስና፡ ባዕዳዊ መግዛእቲ ኣልጊስና ጨቋንን ተጨቋንን ዘይብላ፡ ሰላምን ብልጽግናን ዝሰፈና ሃገር ምህናጽ ኢዩ ነይሩ። ድሕሪ ምርግጋጽ ናጽነት ኤርትራ፡ ህዝብና ነቲ ሓቢርካ ሃገር ንምህናጽ ዝቕጽል ቃልሲ ከም ውሁብ ወሲድዎ ስለዝነበረ ቅሩብን ትስፉውን ኢዩ ነይሩ። ዘተሓባብሮን ዝመርሖን እንተዝረክብ፡ ባሕቲ መስከረም 1961ን 24 ጉንበት 1991 ክልቲአን ታሪኻውያን ዕለታት እየን። እታ ቀዳመይቲ ሰውራ ብምእዋጃ እታ ካለኣይቲ ከኣ ናጽነት ኤርትራ ብምብሳራ። እቲ ኣብ መንጎ እዘን ሕቡናት ዕለታት ዝነበረ ናይ 30 ዓመታት ጉዕዞ ብኣዝዩ ብዙሕን ረቀቕትን ውረድ ደይብ ዝተመልአ ምንባሩ ፍሉጥ እዩ። ኩሉቲ ኣብ መንጎ እዘን ዕለታት፡ ዝተወስደ ግዜ፡ ዝተኸፍለ ዋጋ፡ ዝተወፈየ መስዋእትነት፡ ዘጋጠመ ዕንወትን ዝሰዓበ ስደትን ምምዝባልን ምእንቲ ሃገራዊ ናጽነትን ሰንሰለታዊ መግዛእቲ ሓንሳብን ንሓዋሩን ምውጋድን ስለዝነበረ ከኣ በቲ ዝነበሮ ፍቕሪ ሃገርን ቅሩነትን ኤርትራ ኣብ ሓጺር ግዜ ኣብ ዝሓሸ ኩነታት ከምትበጽሕ ዓቢ ተስፋ ነይርዎ። ቃልሲ ድሕሪ ናጽነት፡ ካብቲ ናይ ግዜ ብረታዊ ቃልሲ ዝተፈልየን ዝተሓተ ዋጋ ዝሓትትን ክኸውን እዩ ዝብል ትጽቢት ህዝቢ ኤርትራ ነይሩ። ከምዚ ዓይነት እምነት ንከሕድር ምኽንያታቱ ብዙሕ ነይሩ።
ካብቲ ምኽንያታት ብውሕዱ ንምጥቃስ፡ እቲ ቃልሲ ኣንጻር ባዕዳዊ ሓይሊ ዘይምዃኑን ኣብ ውጽኢት ናይቲ ቃልሲ ድሕሪ ናጽነት ኩሎም ኤርትራውያን ተጠቀምቲ እዮም ዝበል እምነት ስለ ዝነበሮን። ኣብ ናይ ድሕሪ ናጽነት ቃልሲ ምህናጽ ሃገር፡ ዓቕሚ እንተዘይጐዲሉና፡ ንኤርትራውያን ዘዋስን ኣመራርሓ ክህሉ ኢዩ ዝብል ግምት ኣይነበረን። ኣብ ፖለቲካ ኤርትራ ሓደን ዝድግፈሉ እቲ ካልእ ዝጻረረሉ ኣሰላልፋ ክህሉ ትጽቢት ኤርትራውያን ኣይነበረን። እዚ ዘመልክቶ ከኣ ህዝቢ ኤርትራ ኣብ ትሕቲ ምምሕዳር ነጻነት ኣብ ምምጻኣ ዓብይ ግደ ዝነበሮም ተጋደልቲ ኩነታት ከምቲ ዝኾኖን ዝኸውን ዘሎን ከጋጥም እዩ ዝብል ስግኣት ዘይነበሮ ምዃኑ እዩ። እንተኾነ ካብ ቅድም እቲ ብግብሪ ዝርአ ዘሎ ኩነታት ከየጋጥም ስግኣት ዝሓደሮም፡ ብዓንተቦ ንምግተኡ ዝቃለሱ ፖለቲካዊ ውድባትን ዉልቀ-ሰባትን ነይሮም ኢዮም።
ሕማቕ ኣጋጣሚ ኮይኑ፡ ሓቀኛ ጸረ ህዝቢ ባህርያቱ ሓቢኡ ዝጸንሐ፡ ሕድሪ ሰማእታት ዝጠለመ፡ ቅድሚ ኩሉ ኣብ ስልጣን ምንባር ዝሰርዐ፡ ንህዝቢ ሕማቕ ክፈዲ ዝተዓጥቀ ጉጅለ ህግደፍ ካብ ትጽቢት ህዝቢ ኤርትራ ወጻኢ ተጋሂዱ። እነሆ ከኣ እቲ ብህዱእ ኩነታት ክካየድን ብውጽኢቱ ኩሎም ኤርትራውያን ብማዕረ ዝጥቀምሉን ክኸውን ትጽቢት ዝተገብረሉ ቃልሲ ምህናጽ ሃገርን ምትካል ቅዋማንውን ዲሞክራስያውን ምምሕዳርን “ዘይበልናዮ ኮነ” ከም ዝበሃል መልክዑ ቀይሩ። ወዮ ኣብ ሓጺር ግዜ ራህዋ ከምጽእ ዝተጸበናዮ ናይ ድሕሪ ናጽነት ቃልሲ ክንድቲ ንናጽነት ዝተኸፍለ ግዜ፡ 30 ዓመታት መሊኡ። ኣብ 30 ዓመታትከ ክውዳእ ድዩ ኣይፋሉን ንዝብል ከኣ ጌና ሎሚ ዘበን ዝረአ እዩ። ምልክታቱ ግና ደፊርካ ምህናጽ ሃገርን ምትካል ዲሞክራስያዊ ምምሕዳርን ኣብ ኤርትራ ዝወሰዶ ግዜ ክንድቲ ንናጽነት ዝተወስደ ግዜ ጥራይ እዩ ዘብል ኣይኮነን። ብመንጽር ዝተኸፍለ ዋጋ እውን ኣብ ኩሉቲ ድሕሪ ናጽነት ዝተኣጉደ፡ ከምኡ ክኸውን ግድን ዘይነበረ ውግኣት ካብቲ ኣብቲ ቀዳማይ ምዕራፍ ቃልስና 30 ዓመታት ዝተኸፍለ ምናልባት ዝያዳ እዩ። እሞ ክኣ ብዝመረረ መልክዑ ኣብ ዓዲ ጓና ጣልቃ እናኣተኻ ከይተረፈ።
ኣብዚ ንዝክሮ ዘለና መበል 30 ዓመት መዓልቲ ናጽነት ኤርትራ ኮይና፡ ርሑቕ ከይከድና ብዛዕባ እዚ ዝሓለፈ ናይ 60 ዓመታት ቃልሲ ከነስተንትን ናይ ግድን እዩ። ምስትንታን ብድፍኑ ዘይኮነ፡ “በየን መጺእና?፡ ኣብ ከመይ ኩነታት ኣለና?፡ እንታይከ ይጽበየና ኣሎ?” ኢልና ክንሓትት ግቡእ እዩ። ቀንዲ ጠመተና ከኣ እተን፡ “ኣበይ ኣለና? እንታይከ ይጽበየናሎ?” ዝብላ ሕቶታት ክኾና ይግበአን። ምስ ቃልሲና ምንውሑን ብሰንኩ ሃገርናን ህዝብናን ንቑልቁል ይንቆቱ ምህላዎምን ሻቕሎት ኩልና፡ ንለውጢ ንቃለስ ዘለና ኤርትራውያን ዝያዳ ኣብ ዝዓረገሉ ደረጃ ኢና ዘለና። ካብዚ ብምንቃል ከኣ ዝተፈላለዩ ጉጅለ ህግደፍ ኣብ ምውጋድ ተጸሚዶም ዘለዉ ወገናት፡ ኮንደኾን ካብዚ ዘለናዮ ናብ ዝሓሸ የሰጋግረና ብዝብል መዋጽኦ ዝብልዎ ይእምሙ ኣለዉ።
ኣቐድም ኣቢሉ ከም መቐጸልታ ናይቲ ኣብ ተመኩሮ ምሕዝነትን ኪዳንን ዝተራእየ፡ ብሓባር ከቃልስ ዝኽእል ሰፊሕ ጽላል ናይ ምርካብ ጻዕሪ፡ ንቕሎ ለንደን ፖለቲካዊ ሓይልታት ኤርትራ (ፖሓኤ) ኣብ መስርሕ ኣሎ። ፖሓኤ፡ ኤርትራውያን ሰልፍታት፡ ውድባትን ግንባራትን ሰፊሕ መድረኽ ንምፍጣር ቃልሲ ዘካይድ ዘሎ እዩ። ተበግሶ ፖለቲካዊ ሓይልታት ኤርትራ፡ ኣብ ሕድሕድ ዝነበረ ምጽልላም፡ ምጥቕቓዕን ምንጽጻግን ዘህደአ ኣብ ርእሲ ምዃኑ፡ ቀጻሊ ናይ ሓባር ድልዱል መቃለሲ ጽላል ንምፍጣር ሒዝዎ ዘሎ መስርሕ እውን ኣብ ደሓን ደረጃ በጺሑ ዘሎ እዩ። እቲ ትጽቢት ዝግበረሉ ሰፊሕ ጽላል ኣብ ፖለቲካዊ ውዳበታት ጥራይ ዝተሓጽረ ዘይኮነ፡ ኣብ መስርሕ ናብ ኩሎም ኤርትራውያን ናይ ልውጢ ሓይልታት ዝሳተፍሉ ናይ ምስፋሕ ትልሚ ዘለዎ እዩ። ጐኒንጐኒዚ መስርሕ ምፍጣር ሰፊሕ ጽላል፡ ክካየድ ዝጸንሐን ጌና ቀጻሊ ዘሎን ናይ መሰረታዊ ፍልልይ ዘየብለን ውድባት ምሉእ ሓድነት ምፍጣር እውን ኣብዚ ትጽቢት ዝግበረሉ ሰፊሕ ጽላል ንምብጻሕ ሓጋዚ እዩ። ሰልፊ ዲሞክራሲ ህዝቢ ኤርትራ (ሰዲህኤ)፡ ሃገራዊ ድሕነት ኤርትራ ሕድር (ሃግኤ-ሕድር)ን ህዝባዊ ዲሞክራስያዊ ምንቅስቓስ ሓርነት ኤርትራ (ህዲምሓኤ)ን ዝመስረትዎ ሓድነት ከኣ ከም ኣብነት ዝውሰድ እዩ።
ኣብ ደንበ ተቓውሞ ኤርትራ ክረኣዩ ካብ ዝጸንሑ ድኽመታት ሓደ፡ ኣብ ክንዲ ኣብ ዝሓዝካዮ መስርሕ ስንኻ ነኺስካ ኩሉ ዓቅምኻ ጸንቂቕካን ኩሉ ዕድላት ተጠቒምካን ኣብ ዝብጻሕ ምብጽሑ፡ ናይ “ሕዝ ግድፍ” ኣገባብ ምኽታል እዩ። ኣብዚ እዋንዚ ካብዚ ንምውጻእ፡ ሒዝካዮ ዝጸናሕካ ብምፍራስ ዘይኮነ፡ ንጉዳያት ቅደም ተኸተል ኣትሒዝካ፡ ቅድም ኣብ ሓደ ምድማዕን ነቲ ዝመጽእ ምዕባለ ነቲ ዘመዝገብካዮ ብዘይሃስን ሓቢርካ ብምግጣሙ ክኸውን ይግበኦ። ፖለቲካዊ ሓይልታት ኤርትራ ነዚ ብዝተፈላለዩ ወገናት ዝረአ ዘሎ ተበግሶታት ነቲ ሒዝዎ ዘሎ ጽላል ናይ ምምስራት ጻዕሪ ብዘይጻረር ክሕዞ ናይ ግድን እዩ። ካብዚ ሓሊፉ ትቕበሎዶ ኣይትቕበሎን ካልእ ጉዳይ ኮይኑ፡ ዝኾነ መማረጺ ክቐርብ ሓጋዚ እምበር ጐዳኢ ኣይኮነን።
እቲ ካልእ ንመበል 30 ዓመት ናጽነት ኤርትራ ክንዝክር እንከለና ጓሲናዮ ዘይንሓልፍ፡ ብሓፈሻ ኣብ ዞባና ብፍላይ ከኣ ኣብ ኢትዮጵያ-ትግራይ ዝካየደ ዘሎ ውግእ እዩ። እዚ ብቐንዱ ጉዳይ ጐረቤት እዩ። ጽልዋኡ ኣብ ጉዳይና ግና ምስቲ ሃገርና ክሕምስ ዝጸንሐ ጉጅለ ተሰታፋይ ናይቲ ውግእ ምህላዉ ከም ታራ ናይ ጐረቤት ዋኒን ንወስዶ ዘይኮነ፡ ፍሉይ ግምት እንህቦ እዩ። ብሰንክዚ ናይ ትግራይ ጉዳይ ኣብቲ ቀንዲ ኤርትራዊ ጉዳይና ከይንፈላለ ከኣ ውሕልነት ክሓተና እዩ።
ኣብ ፖለቲካዊ ታሪኽ ኤርትራ ኣብ 30 ዓመታት ካብ ሓደ ምዕራፍ ናብ ካልእ ሞዕራፍ ምስጋር ዝተለምደ እዩ። ኣብ መንጎ 1961ን 1991ን ዘሎ ዝምድና ርኢናዮ ኣለና። 1991ን 2021ን ዘሎ 30 ዓመታት እንታይ ከርእየናዩ ኣብ ቅድሜና ዘሎ ኮይኑ፡ ባህግን ድልየትን ህዝብና ንምዕዋት ከኣ ዝያዳ ጻዕርን ተወፋይነትን ዝሓተና ክኸውን እዩ።
ብናጽነትና ንሕበን፡
ናጻን ላኡላዊትን ኤርትራ ተኸቢራ ትንበር!
24 ጉንበት 2021
ርእሰ-ዓንቀጽ ሰዲህኤ
ኣይኮነንዶ ኣብ ከምዚ ንርከበሉ ዘለና፡ ግዜ ዘይህብ ናይ ምህላውን ዘይምህላውን ቃልሲ፡ ኣብ ንቡር ህይወት እውን ኣብ ዝተፈላለዩ ናይ ኣተሓሳስባታት ማዕበል ኢና እንሕንብስ። እቲ ማዕበል ናይ ካለኦት ኣተሓሳስባ ንቋመተሉ ጥራይ ዘይኮነ፡ ንሕና እውን ኢድና እንሕውሰሉ ናይ ሓባርና እዩ። ኣብቲ ማዕበል ገሊኦም ሓሳባት ብቐጥታ ሰለ ዝምልከቱና ፊትንፊት እንገጥሞም እዮም። ገሊኦም ግና እነቕልበሎምኳ እንተኾኑ፡ ክሳብ ክንድቲ ዘይንገደሰሎም ክኾኑ ይኽእሉ። ከምቲ ኣብ ዕዳጋ ወሪድካ ብዛዕባቲ ክትገዝኦ ዝግበኣካ ንብረት ዝያዳ እተድህብ ማለት እዩ። ኣብቲ ናይ ሓሳባት ዕድጋ ንገሊኡ ምቕባሉን ናትካ ምግባሩን፡ ንገሊኡ ከኣ ምንጻጉን ካብኡ ምርሓቕን ክረአ ንቡር እዩ።
ኣብ ዝኾነ ኣጋጣሚ ንተረኽቦን ካብኡ ዝምንጩ ኣተሓሳስባን ምድጋፍን ምቅዋምን መሰረታዊ መሰል ምዃኑ ርዱእ እዩ። ነዚ መሰልዚ ኣባላት ኣብ ሰልፍታቶም ውድባቶምን ማሕበራቶምን፡ ከምኡ ከኣ ውዳበታት ኣብ ሕድሕደን ኣብ ዝገብረኦ ርክባት ናይ ምጥቃም መሰልን ነጻነትን ኣለዎም። መሰል ክለዓል እንከሎ፡ ካብኡ ፈሊኻ ዘይረአ ግቡእ ከም ዘሎ ከኣ ምዝካር የድሊ። ከምቲ ሓሳባትና ናይ ምቕራብን ተቐባልነት ክረክብ ናይ ምጉስጓስ መሰል ዘለና፡ ካልኦት ውን ሓሳባቶም ከስምዑን ቅቡል ክገብሩን ክንፈቅድ ግዴታ ኣለና። ካብዚ ሓሊፉ መሰልን ግዴታን ሚዛኑ ኣብ ዘይሓለወሉ ዝፍጠር ዘይሚዛናውነት ሃሳዪ እዩ።
እቲ መሰረታዊ ጉዳይ እቲ መሰልና ተጠቒምና እነቕርቦ ሓሳብ ምኽንያታውን ርትዓውን ምዃኑን ዘይምዃኑን ምምዛን የድሊ። መሰል ክበሃል ከሎ ሓደ ሰብ ርእይቶኡ ካብ ምሃብ ከይግደብ ዝተዋህቦ ተፈጥሮኣዊ ሂያብ እምበር፡ ንገዛእ ርእሱ ሓቂ ወይ ቅኑዕ ኣይኮነን። እቲ እነቕርቦ ሓሳብ ኣባና ተደሪቱ ዝተርፍ ዘይኮነ፡ ናብ ናይ ኣተሓሳስባታት ዕዳጋ ዝወርድ ምዃኑ ዝዝንጋዕ ኣይኮነን። ከምኡ ስለ ዝኾነ ከኣ ኣብቲ ዕዳጋ ናይቲ ሸያጣይ ጥራይ ዘይኮነ፡ ናይቲ ዓዳጋይ ኩነታት እውን ኣብ ግምት ከኣቱ ናይ ግድን እዩ። እቲ ነቲ ሓሳብ ዝገዝእ ረብሓኡን ተረድኦኡን ኣብቲ ናብ ዕዳጋ ዝወረደ ሓሳብ ምንጽብራቑን ዘይምንጽብራቑን ክመዝን የገድሶ እዩ። በቲ ናቱ ምምዛን ነቲ ሓሳባት ናይዘይምቕባሉ ዕድሉ ክፉት ምዃኑ እቲ ሸያጢ ከስተብህለሉ ግድን እዩ። ምኽንያቱ ሓሳብካ ንክገዝእ ቅሩብ ዘይኮነ ኣካል ኣገዲድካ ከተሰክሞ ምፍታን ናብ ዘየሳኒ ኩርናዕ ዝወስድ እዩ። ኩሉ ነገር ኣብ ሓደ ኣጋጣሚ ጥራይ ስለ ዘይውዳእ፡ ስለምንታይ ሓሳብና ተቐባልነት ከም ዘይረኸበ እንተዘይተረዲኡና ናይ ምርዳእ ጻዕርና ቀጻሊ ክኸውን ይግበኦ። ሓሳብና ስለምንታይ ተቐባልነት ከም ዘይረኸበ ንምርዳእ ኣብ ክንዲ ምጽዓር ተሃዊኽና ምድርባዩን ተስፋ ምቑራጽን ቅኑዕ ኣይኮነን።
ሓሳብ ክንቅበል ወይ ክንነጽግ እንከለና፡ መዕቀኒና፡ ብኹሉ መለክዒ ትሕዝቶ ብምምዛን እምበር ብመንጽር ብመን ቀሪቡ ጥራይ ከይከውን ምጥንቃቕ የድልየና። ብዛዕባ መንነትን ድሕረ-ባይታን ናይቲ ሓሳብ ዘመንጩ ምሉእ ብምሉእ ኣይንገደስ ማለት ግና ኣይኮነን። ምናልባት ምስቲ ሓሳብ ዘቕረበ ኣቐዲሙ ዝተፈጥረ ሌላ ክህልወና ይኽእል። እቲ ሌላ ብጽቡቕ ወይ ብሕማቕ ክኸውን ይኽእል። ካብዚ ነቒልና ነቲ ብጽቡቕ ዓይኒ ክንርእዮ ብዝጸናሕና ኣካል ዝቐርብ ሓሳብ ብድብድቡ ምቕባል፡ ነቲ ብሕማቕ ዓይኒ ክንርደኦ ዝጸናሕና ኣካል ዝቕረቦ ከኣ ብማዕዶ ምንጻጉ ኣብ ጌጋ ከውድቐና ይኽእል። ብመሰረቱ እቲ ቅድም ንፈትዎ ኮነ ንጸልኦ፡ ሎሚ እውን ኣብቲ ዘለዉዎ እዮም ዘለዉ ኢልና ምድምዳም ኣጸጋሚዩ። ምኽንያቱ ሰባት ካብ ግዜ ናብ ግዜ፡ ካብ ሓደ ዛዕባ ናብቲ ካልእ ዛዕባ ብኣተሓሳስባ ክቕየሩ ከም ዝኽእሉ ኣብ ግምት ምእታ ኣዝዩ ኣገዳሲ ስለ ዝኾነ። ንኣብነት ናብ ተመኩሮና እንተመጻእና፡ ንሓደ ሰብ ቅድም ኣብ ቤት ትምህርቲ ወይ ኣብ ሜዳ ቃልሲ ብእንፈልጦ ጥራይ ኩለንተናኡ ኣብቲ ናይ ቀደም ኣፍልጦና ጥራይ ተመርኲስና ክንመዝኖ የጸግም።
ብዛዕባ ሓደ ጉዳይ ተቐዳዲምካ ግዳማዊ ፍርዲ ምሃብ ናብ ጌጋ ዝመርሕ እዩ። እዚ ጸገምዚ ሎሚ ኣብ ደንበ ተቓውሞና ሳዕሪሩ ዘሎ እዩ። ምናልባት እውን ሓደ ካብቲ ኣተሓሳስባታትና ኣቀራሪብናን ኣሳኒናን፡ ብሓደ ከይንስለፍ ኣጸጋሚ ኮይነሙና ካብ ዘለዉ ምኽንያታት ጌርካ ዝውሰድ እዩ። ፍልልያትና እንተተኻኢሉ ኣወጊድና ወይ ኣከኣኢልና ብሓባር ክንቃለስ መተካእታ የብሉን። ናብዚ ክንበጽሕ ከኣ እቲ ሓደ እንታይ ይብል ከም ዘሎ፡ ብደጋዊ መንነት ናይቲ በሃሊኡ ከይተዓገትና፡ ኣብ ትሕዝኡ ክንደማመጽ ይግበኣና። ከምዚ እንተዘይጌና ግና ኣይኮነንዶ ንቕድሚት ክንስጉም እቲ መምሳና ዘሎ ዓቕምን ተቐባልነትን ወዲእና ካብቲ ዘዘለናዮ ኣይክንነቓነቕን ኢና። ምናልባት እውን ንድሕሪት ምምላስ ከጋጥም ይኽእል።
ናብቲ ብሓባር ዘቃልሰና መድረኽ ክንበጽሕ፡ ኣካልና ዘይኮነ ኣተሓሳስባታትና እዩ ክቀራረብ ዝግበኦ። ናብዚ ምቅርራብ ክንበቅዕ ከኣ ሓሰባትና እነንጸባርቐሉ መድረኻት ክንረክብ ናይ ግድን እዩ። እዚ ናይ ሓሳባት ዕሙር ዕዳጋ፡ መን የሰናድኦን ይጽወዖን ብዘየገድስ፡ ማሕበራዊ መራኸቢ መድያታት፡ ኣኼባታትን ካልእን ክኸውን ይኽእል። ነዚ መድረኻት ብመንጽር”መን ኣዳልይዎን ጸዊዕዎን” ዘይኮነ፡ ነቲ “ኣብኡ እንታይ’ዩ ተባሂሉ” ዝብል ዝያዳ ከነድህበሉን ክንመዝኖን ይግበኣና። ኣብ ከምዚ ዓይነት መድረኽ ተሳቲፍና፡ ዝበሃለና እንሰምዓሉ ጥራይ ዘይኮነ፡ ኣብቲ ዝተላዕለ ዛዕባ ናትና ሚዛን እነንጸባርቐሉ እውን ስለ ዝኾነ፡ ኩልኻ እትርበሓሉ እዩ። ምእንቲ ከምዚ ክኸውን እቲ መድረኽ ኣዳልዩ ዝጽውዕ ኣካል ካብ “ናተይ ጥራይ እዩ ዝስማዕ” ዝብል ስሰዐ ከወጽእ ይግበኦ። ኣብ ኤርትራዊ ፖለቲካዊ መድረኽ ምስታፍ፡ ከምቲ “ኢድካ ኣብ ባሕሪ ስደድ እሞ ወይ ሉል ሕዚካ ወይ ተሓጺብካ ትወጽእ” ዝበሃል እንተዘይከሰብና እውን ንኸስረሉ ኣይኮነን። ንኣብነት ኣባላት ሰልፊ ዲሞክራሲ ህዝቢ ኤርትራ (ሰዲህኤ) ኣብ ዝኾነ ኤርትራዊ መድረኽ ክሳተፉ መሰል ኣለዎም። ካብቲ መድረኽ ኣንታይ ይወስዱን እንታይ ይህቡን ከኣ በቲ መርገጽ ሰልፎም ኣብቲ መዛረቢ ዛዕባ ዝዕቀን እዩ።
እቲ ሓሓሊፉ ዝረአ፡ ካብ ዘይኣመንካሉ ኣኼባ ድዩ ካልእ መድረኽ ምብኳር፡ ናይቶም ዝበኹሩ መሰል እዩ። ካብኡ ሓሊፉ ነቲ መድረኽ“ኣነ ስለ ዘይኣመንኩሉ እገለ ዝበሃል ባእታዶ ውድብ ሰለምንታይ ይሳተፎ”ብዝብል ዝፍጠር ኩራን ምጉብዕባን ካብ“ኣጻልኡና”ሓሊፉ ካልእ ትርጉም የብሉን። ስለዚ ምስታፍን ምብኳርን ማዕረ መሰል ናይቶም ዝመርጽዎ ምዃኑ ምስትውዓል ጽቡቕ እዩ። በቲ ኮነ በዚ ኣብ ክንዲ ንሓሳባት ብማዕዶ’ሞ ብደጋዊ መምዘኒ ምፍራድ፡ ብመንጽር“መን በሎ ዘይኮነስ፡ ብትሕዝቶቲ ዝተባህለ”ምርኣዮም ጠቓሚ እዩ።ን