መጻኢ ኤርትራን ሓላፍነት ህዝባን

2022-10-22 08:58:33 Written by  EPDP Information Office Published in EPDP Editorial Read 946 times

ርእሰ ዓንቀጽ ሰዲህኤ

“ህዝቢ ኤርትራ ድሕሪ ናጽነት ከመይ ጸኒሑ? ከመይከ ኣሎ?” ኢልና ምስ እንሓትት፡ ኣብ ዝርዝርን ኣቀራርባን ደኣ ንፈላለ ንኸውን እምበር መሰረታዊ መልሲ ናይ ኩልና “ኣብ ኣዝዩ ከቢድ ጭቆናን ወጽዓን ጸኒሑን ኣሎን” ዝብል ከም ዝኸውን ዘጠራጥር ኣይኮነን። ኣብቲ ቅኒትን ጠንቅን ደኣ የዕጠጥዩን ምኽንያት የብዝሑን ይኾኑ እምበር፡ ህግደፍን ደገፍቱን እውን ዝሃድምሉ ሓቂ ኣይኮነን። ከምቲ ስነ-ጥበባዊ ነፍስሄር ኣብርሃም ኣፈወርቂ “ነቲ ሕማቕ ዝሓመቐ ኣለዎ” ዝበሎ፡ ሎሚ ንርእዮ ብዘለና ምልክታት፡ ኤርትራ ናይ ጽባሕ መጻኢኣ ዝኸፈአ ክኸውን ከም ዝኽእል ዘስግእ እዩ። “ደጊም ዕድል ኤርትራን ህዝባን  ብህግደፍ ኣይኮነን ዝውሰን” ኢልና ተላዒልና ብግብሪ እንተ ጽዒትና ግና መጻኢ ኤርትራ ካብ ትማልን ሎምን ጽባሕ ዝሓሸ ናይ ምዃኑ ዕድሉ ዕጽዊ ኣይኮነን።

ህግደፍ ትማሊ ኮነ ሎሚ ሒዝዎ ዝጸንሐን ዘሎን ፖለቲካዊ ምርጫ፡ ነቲ ህዝቢ ኤርትራ ከወግዶ ዝቃለሶ ዘሎ ወጽዓ ናይ ምውጋድ ኣንፈት ብሰንጣቕ ዝጻረር እዩ። ህዝብና፡ ሰብኣውን ዲሞክራስያውን መሰሉ ክሕለወሉ፡ ሓሳቡ ናይ ምግላጽን ምውዳብን መሰሉ ክረጋገጸሉ፡ ብጸጋታት ሃገሩ ማዕረ ናይ ምጥቃም መሰል ክወሓሰሉ፡ ፍትሒ ክሰፍነሉ፡ ብፍላይ ኣብ ሕድሕዱ ብሓፈሻ ድማ ምስ ጐረባብቱ ህዝብታት ኣብ ዘተኣማምን ሰላምን ናይ ሓባር ተጠቃምነትን ዝተሰረተ ዝምድና ክህልዎ እዩ ዝቃለስ ዘሎ። ህዝቢ ኤርትራ ህግደፍ ነዚ ባህጉ ከረጋግጸሉ ንነዊሕ ግዜ ዕድል ሂቡ ተጸብይዎን ተማሕጺንዎን እዩ። መልሲ ህግደፍ ግና  ነቲ ወጽዓ ዘጋድድን ንህዝቢ ዘስተናዕቕን’ዩ' ኮይኑ ጸኒሑን ዘሎን። ህዝቢ ኤርትራ ምእንቲ መሰረታዊ መሰላቱ ኣንጻር ህግደፍ ክቃለስ ዘተንስኦ ምስጢር ከኣ እዚ ኣብያ ናይቲ ጉጅለ እዩ።

ተግባራት ህግደፍ “ንሕቶ ህዝቢ ኣይቅበልን እዩ”፡ ኢልካዮ ጥራይ ዝሕለፍ ዘይኮነ፡ ንህዝቢ ኤርትራ ኣዳዕዲዑ ዝጠለመ እዩ። ነቲ ከዘውትሮ ዝጸንሐ ይቕረ ዘይበሃሎ ጸረ ህዝቢ ተግባራት ክፍጽም እንከሎ፡ ብዘይካ ነቶም ቁንጣሮ ብሳንቡኡ ዘተንፍሱ ደገፍቱ ንመላእ ህዝቢ ኤርትራ ካብ ልቡ ካብ ዘውጸኦ ነዊሕ ግዜ ኮይኑ እዩ። እቲ ብዛንታ ክንሰምዖ ዝጸናሕና “ኤርትራ መሬታ እምበር ህዝባ ኣየድልየናን’ዩ” ዝብል ፖለቲካዊ ቅኒት ገዛእቲ፡ ሎሚ ብትሕዝቶኡ ብህግደፍ ዝድገም ዘሎ እዩ። ገዛእቲ ከምኡ ዝበልሉ ቀንዲ ምኽንያት ንህዝቢ ኤርትራ ኣብቲ ጉዳዩ ከም ዘየሳትፍዎ ንምምልካት ነይሩ። ህዝቢ ኤርትራ ኣብ ምምሕዳር ህግደፍ እውን ካብ ጉዳያት ናይታ ብደሙ፡ ብዓጽሙን ድምጹን ዘውሓሳ ልኡላዊት ሃገር  ብዝለዓለ ደረጃ  ኣብ ኩሉ ጽላታት ከም ዝተኸድዐ ንዕዘቦ ኣለና።

ምምሕዳር ህግደፍ ብ2018 ምስ ፈደራላዊ መንግስቲ ኢትዮጵያ፡ ኣብ ሓድሽ ግና ትሕዝቶኡ ካብ ህዝቢ ዝተሓብአ ምዕራፍ ዝምድና ምስኣተወ፡ ንህዝቢ ኤርትራ ሕቖኡ ሂቡ ምስ ኢትዮጵያውያን ወገናት ከም ዘቃየሐ ምልክታት ኣርእዩ እዩ። እቶም ኣብቲ እዋንቲ ኣብ ኢትዮጵያ ከይዱ ዝመደሮም፡ “መራሒ ናጻ ሃገር እየ” ዝብል ዝተዛረቦ እዩ” ኢልካ ክትኣምኖን ክትደግሞን ዘሕፍር ኣበሃህላታት፡ ከም ዘለዉዎ ንዘክሮ። በቲ ኣፍልቡ እንዳወቕዐ፡ ርእሱ የማነ-ጸጋም እናነቕነቐ ኣፉ ክቕደድ ክሳብ ዝደሊ ዝሰሓቖ ሰሓቕ ንብዙሓት ናይ ቀረባ ፈለጥቱ፡ “ሓድሽ ኢሳያስ ኣፈወርቂ” ከም ዝኾኖም ዝርሳዕ ኣይኮነን። በዚ ተገሪሞም “እዚ ዲክታተር እቲ ንህዝቢ ኤርትራ ክነፍጎ ዝጸንሐ፡ ሰሓቕ፡ ምቕሉልነትን ፍቱሕ ገጽን ደኣ ሎሚ ካበይ ኣምጺእዎ?” ኢሎም ዝተገረሙ’ውን ውሑዳት ኣይነበሩን። እዚ ሎሚ ብግብሪ ንርእዮ ዘለና ናይ ኢትዮጵያ ኣገልጋልነቱ እምበኣር ብድሕሪቲ ሰሓቕን ኣፍልብኻ ምውቃዕን ተሓቢኡ ዝነበረ፡ ንህዝቢ ኤርትራ ሕቖኻ ሂብካ ምስ ብልጽግና ናይ  ምሽራው ምስጢር እዩ።

ኣብ ዝሓለፈ ዓመታት ኢሳያስ ንኤርትራ ንሓንሳብ ናብ ውግእ ብምጥባስ ዝያዳ ድማ ብዝተፈላለዩ መሰናበዲ ተንኮላትን ተጽዕኖታትን ናብ ስደት ከም ዝኸዱ ብምግባር  ንኤርትራ፡ “መንእሰይ ዝሓረማ  ሃገር” ገይርዋ እዩ። ንኤርትራ ብኸምዚ ደረጃ ምስ ኣዳኸማ ድማ፡ ሎሚ ብኣማኢት ኣሸሓት ሰራዊት ኢትዮጵያ ናብ ኤርትራ የእትዎም ኣሎ። ሎሚ ኢሳያስ ኢትዮጵያ ንምሕጋዝ ናብ ኣዲስ ኣበባ ኣብ ዝገሸሉ ኩነት ዘይኮነ፡ ካብ ሰራዊት ጀሚርካ ክሳብ ኣጽዋር ናይ ኢትዮጵያ ናብ ኤርትራ ኣብ ዝተጓረተሉ ደረጃ እዩ ዝርከብ። እዚ ካልእ ኩሉ  ገዲፍካ፡ መልእኽቱ ናይቲ ኣብ ትግራይ ዝካየደ ዘሎ ውግእ ቀላሳይ ምዃኑ ዝሕመዮ ዝነበረ ጋህዲ ምውጻኡ ዘርኢ መግለጺ እዩ። ምስቲ “ኢሳያስ ከም ልማዱ ብዘይኣፍልጦ ህዝቢ፡ ንኤርትራ ምስ ኢትዮጵያ ብፈደረሽን ክቖርና እዩ” ዝብል ግምት ኣዛሚድካ፡ እቲ ተረኽቦ፡ ዘመናዊ  መልክዕ ናይ “ኤርትራ መሬታ እምበር ህዝባ ኣየድልየናን” ይመስል። ምስዚ ኩሉ ህዝቢ ኤርትራ’ውን ምእንቲ ከይቀስን ሎሚ’ውን ካብ ግዱድ ግፋ፡ ምርሳይ ንብረቱን ሳዕቤን ውግእን ኣይደሓነን። እዚ ጥራይ ኣይኮነን ከምቲ “ጭሕሚ ዓርክኻ ክላጸ፡ ጭሕምኻ ማይ ልኸ” ዝበሃል፡ ህዝቢ ኤርትራ ብኣጋኡ ዝግበር እንተዘይገይሩ፡ እቲ ብሰንኪ ውግእ ኣብ ጐረባብትና ዝወርድ ዘሎ መከራ ኣብ ርእሲኡ ኣንጠልጢሉ ከም ዘሎ ክዝንግዕ ኣይግበኦን።

ኣብዚ ከነስተውዕለሉ ዝግበኣና፡ ተግባራት ኢሳያስ ናይ ገርሂ ወይ ምላቕ ዘይኮነ፡ ኮነ ኢሉ ብዝመረጾ መንገዲ ጥፍኣት እዩ ዝጐዕዝ ዘሎ። ህግደፍ ካብዚ ፈትዩ ዝኣተዎ ናይ ጥፍኣት መንገዲ ተገዲዱ እንተዘይኮይኑ፡ ፈትዩ ክምለስ ይኽእል’ዩ ማለት ዘበት እዩ። በደለኛን ህውከተኛን ምርጫኡ ኣብ ኤርትራ መሊኡ ስለ ዝፈሰሰ፡ ሎሚ “ዓገብ በሃልቱን ተቓወምቱን” ንሕና ጥራይ ዘይኮና፡ ዓለም ብምልእታ እያ ብተግባሩ ተስካሕክሕ ዘላ። ህላወኡ ኣብ ውግእ ኢትዮጵያ፡ ብዋና ጸሓፊ ሕቡራት ሃገራት፡ ብሕብረት ኢውሮጳ፡ ብሕቡራት መንግስታት ኣሜሪካን ዝተፈላለዩ እቲ ዛዕባ ዘሻቐሎም ኣካላትን፡ ከምቲ ካብ መጀመርታኡ፡ ሰልፊ ዲሞክራሲ ህዝቢ ኤርትራ (ሰዲህኤ) “ኣብ ዘይጉዳይካ ምእታውካ ንኹንኖ” ዝበሎ፡ ደጋጊሞም “ውጻእ” ይብልዎ ኣለዉ። ወረ ገለ-ገለስ ኣብ ውግእ ትግራይ ኣትዩ ንዘሎ ሰራዊት ኤርትራ “ዕሱብ” ክሳብ ምባል በጺሖም ኣለዉ። ዓለም ካብዚ ተቕርቦ ዘላ ተደጋጋሚ ናይ “ካብ ዘይጉዳይካ ውጻእ” መጸዋዕታኣ እንታይ ከም እትጽበ ናታ ሕሳብን ግምትን ይህልዋ። ብናትና ተመኩሮ ግና፡ ህግደፍ ድሕሪ ሕጂ መንገዲ ደሓን ንክሕዝ ምጽዋዕ “ኣብ ዘይሰምዓካ ደብሪ ምምህላል” እዩ። ኣብ ክንዲ ሕሳብና ንገብር፡ ምስ ድርቅናን ዘይሓላፍነታዊ ተግባራትን ህግደፍ ተለማሚድና እንተቐጺልና፡ መጻኢ ኤርትራ ካብቲ ዝሓለፈን ዘሎን ዝኸፈአ ከም ዝኸውን ንረዳእ።

Last modified on Saturday, 22 October 2022 11:03