EPDP Editorial

ርእሰ-ዓንቀጽ ሰዲህኤ

“ሓድነት ሓይሊ እዩ፡ ዝሓበራ ኣጻብዕ ኣርቃይ የጸንበዓ፡ ኣሕዋት ምስ ዝሓብሩ ጸላኢ የባርሩ “ ዝብሉ ኣበሃህላታት፡ ሓያልነትን ወሳንነትን ሓድነት ዘድምቑ ናይ ኣቦታትና ምሳለታት እዮም። ኣብ ሓደ መስርሕ ተጽዕኖን ግደን ሓድነት ብኣውንታን ብኣሉታን ዝግለጽ እዩ። እቲ ኣውንታ በቲ ሳላ ሓድነት ዝምዝገብ ውጽኢትን ዓቕምን ዝግለጽ ክኸውን እንከሎ፡ እቲ ኣሉታ ከኣ ብሰንኪ ብኩራቱ  ዘጋጥም ክሳራ ዝግለጽ እዩ።

ኤርትራውያን ኣብ ፖለቲካዊ ተመኩሮና ሳላ ሓድነትና ዘመዝገብናዮ ዓወታት ብዙሕ እዩ። ብዓብይኡ፡  ብቁጽሪ ውሑዳት፡ ብዕጥቂ ዝተሓትና እሞ ድማ ናይ ግዳም ደግፍ ዘይብልና ክነስና፡ ብቑጽሪ ንዝበዝሑና፡ ብዕጥቂ ንዝበልጹናን ብሓያላት ንዝድገፉን ገዛእቲ ስዒርና፡ ነጻነትን ልኡላውነትን ሃገርና ከነውሕስ ምብቃዕና ናይቲ ብሳላ ሓድነት ዝረኸብናዮ ኣውንታዊ ውጽኢት ርኡይ መግለጺ ኮይኑ ተመዝጊቡ ዘሎ እዩ። “ምስጢር ዓወትና ሓድነትና እዩ” እንብል ከኣ ካብዚ ነቒልና ኢና። እዚ ኣባና ጥራይ ተደሪቱ ዝተርፍ ዘይኮነ፡ ኣብ ቅድሚ ካለኦት እውን ከም ብሓድነት ተቓሊስካ ናይ ምዕዋት መወከሲ ዝተወስደ እዩ።

ሰኣን ሓድነት ዘጥፋእናዮም ዕድላት እውን፡ ወዮ ደኣ በቲ ሳላ ሓድነት ዘመዝገብናዮ ዓወት  ንጸናናዕ ኮይና እምበር፡ ኣሉታዊ ኣሰሮም ቀሊል ኣይኮነን። ብዓብይኡ ነቲ ኣንጻር ናይ ግዳም መግዛእቲ ዓወት ክንጭብጥ ዘብቀዕና ሓድነት ኣብ ቃልሲ ኣንጻርቲ ዘየናሕሲ ዘቤታዊ ጨቋኒ ክንደግሞ ስለ ዘይበቓዕና፡ እነሆ ህዝብና ብህግዲፍ ይደሃኽ ኣሎ። ኣብዚ ዘለናዮ እዋን ብሓድነት ምቅላስ ኣድላይን መሰረታውን ከም ዝኾነ ኣብ ተመኩሮ ብዙሓት በዚ ናትና መስርሕ ዝሓለፉ ኣብ ውጽኢት ከም ዘብጸሐ እንዳረኣና ብግብሪ ከነረጋግጾ ዘይምብቃዕና፡ ንቃልስና ብቐረባ ንዝዕዘቡ ወገናት’ውን “ዘገርም” ዘብል ዘሎ እዩ።

ስለምንታይ ሓድነትና ከነረጋግጽ ዘይከኣልና፡ ሓደሓደ ግዜስ ንሕና እውን ይገርመና እዩ። እቲ ጠንቂ ግና ኣርሒቕካ ምምርማር ዘድልዮ ዘይኮነ፡ ካባና ናባና ዘሎ እዩ። ክንድቲ ብዛዕባ ሓድነት እትጭረሖ ብግብሪ ዉፉይ ዘይምዃን፡ ዝመጻናሉ ዝተፈላለየ ፖለቲካዊ ድርሕረ-ባይታታት ዝፈጠሮ ስንብራት፡ ንመስርሕ ሓድነት ኣብ ክንዲ ብልዑል ህዝባውን ሃገራውን ተደላይነት፡ ብጸቢብ ጉጅላዊ ምናልባት እውን ብውልቃዊ ሕሳብ ምቕናይ፡ ካብቶም ብዙሓት ክስገሩ እናተገበኦም ዘይሰገርናዮም ዝዕንቅጹና ዘለዉ ንኣብነት ክጥቀሱ ዝኽእሉ እዮም። ኣብዚ ኩልና ንፈልጦ ክንስና፡ ምጥቃሱ ኣገዳሲ ዝኸውን፡ ሓድነት ዝኾነ ይኹን ፍልልይ ብዘየብሎም ኣካላት ዝድኮን ዘይኮነ፡ ህጹጽነት ጉዳያት ኣብ ግምት ኣእቲኻ፡ ቅድሚት ከመጽእ ዘይግበኦ ዛዕባታት ኣወንዚፍካ ኣብቲ ተባራዒ መድረኻዊ ኩነታት ኣትኪልካ ዝንደቕ ዓቕሚ እዩ። ኣብ ህልዊ ፖለቲካዊ ዕማምና፡ ምውጋድ ጉጅለ ህግዲፍ ንቕድሚት ኣምጺእካ ኣብ ዙርያኡ ዓሲልካ ሓድነት ክንደቐሉ ዝግበኦ እዩ። ሕጂ ከኣ ከምቲ “ክፉእካ ኣይትጽላእ ዝኸፈአ ከይመጸካ” ዝበሃል፡ ግደ ሓድነት ዝያዳ ዘበርኽ ሓያልን ግዜ ዘይህብን ኮሮናቫይረስ ዝበሃል ናይ ቀዳምነት ቀዳምነት ክሕዝ ዝግበኦ ራዕዲ ዝፈጥር ዛዕባ ኣጋጢሙ እነሆ።

ብዛዕባ ሓድነት ክንሓስብ እንከለና ኣብ ክንዲ ናይ ሃገርን ህዝብን ድሕነትን ቀጻልነትን፡ ነናትና ምስ ናይ ካለኦት እንተዘይተወሃሂዱ፡ ሩባ ዘየሳግር ጸቢብ ሕሳባት ንቕድሚት ምምጻእ ከም ዘየዕወተና ርኢና ኢና። ምርኣይ ከኣ ምእማን እዩ። ከምቲ ጳጳስ ኣቡነ ፍራንሲስ ቅድሚ ሳልስቲ ብምኽንያት ክብሪ ዓርቢ ስቕለት 2020 ኣብ ዘመሓላለፍዎ ኣባታዊ መልእኽቲ “ኣፍላጋት ነቲ ማዮም ኣይሰትይዎ እዮም፡ ኣግራብ ነቲ ዘፍረይዎ ፍረታት ኣይበልዕዎን እዮም፡ ጸሓይ ብርሃና ነዓኣ ኣይኮነን ዘብርህን ዘንጸባርቕን … ወዘተ” ምስ በሉ “ሕጉስ ክትከውን እንከለኻ ህይወት ጽብቕቲ እያ፡ ዝያዳ ጽብቕቲ እትኸውን ግና፡ ካለኦት ብግብርኻ ክሕጐሱ እንከለዉ እያ” ዝበልዎ፡ ቀንዲ ኣድህቦና ብውልቂ ካብቲ ሓድነት  ክንጥቀም ዘይኮነ፡ ሃገርን ህዝብን ምድሓን ክኸውን ይግበኦ። ንኣድላይነት ሓድነት እምበኣር፡ ብፍላይ ኣብዚ ኣቲናዮ ዘለና ፍሉይ ዓለማዊ ኩነታት ብመንጽርዚ ክንጥምት ይግበኣና።

ክሳብ ሕጂ ቃልስና ኣብ ፖለቲካዊ ህልውና ዝዓለመ እዩ ጸኒሑ። ብዛዕባ ምውጋድ ጉጅለ ህግዲፍ፡ ሕገመንግስታዊ ስርዓት ኣብ ኤርትራ፡ ልዕልና ሕግን ፍትሕን፡ ምኽባር ሰብኣውን ዲሞክራስያውን መሰላት፡ መሰል ምውዳብ፡ ሓሳብካ ምግላጽን ናጽነት እምነትን ክንዛረብ እንከለና ብኸመይ ሕገመንግስታዊ ህዝባውን ዲሞክራስያውን ስርዓት ዝማእከሉ ፖለቲካዊ ህልውናን ቀጻልነትን ይህልወና ኢና እንጥምት። እቲምንታሲ እዚ እቲ ዝበለጸ ኣነባብራ ሃገር ንክመጸልና ዝኽልእ ብደሆታት ዝስዕር ስለ ዝኾነ እዩ።  ሎሚ ግና ብኸመይን ብመንን ይመሓደር ብዘየገድስ፡ ህዝቢ ከም ሰብኣዊ ፍጡር ናይ ምህላውን ዘይምህላውን ዝፍትን ሓደጋ ኣጋጢሙና ኣሎ። እሞ ከኣ  ንኹሉ ወገናት ኣብ ነናቱ ዝጸመደ፡ እቲ ሓደ ነቲ ካልእ ክሕግዝ ኣብ ዘይክእለሉ ኩነታት ምእታው እዩ። ካብዚ ጸልማት ንምውጻእ  ግደ ሓድነት ኤርትራውያን ወሳኒ ምዃኑ ንምትንባህ ኢና ከኣ ነዚ ናይ ሻቕሎት እዋን “ኣድላይነት ሓድነት፡ ዝያዳ ዘበርኽ ኩነት” ንብል ዘለና። እዚ ሕጂ ኣጋጢሙ ዘሎ ናይ ኣልማማ መቕዘፍቲ ከጋጥምዩ ዝብል ትጽቢትኳ እንተዘይነበሮ፡ ሰዲህኤ ኣብ ጥዕና ህዝብና ዘለዎ ቆላሕታ ንምንጻር፡ ኣብ ፖለቲካዊ መደብ ዕዮኡ፡ “ኣገልግሎት ጥዕና ኤርትራ፡ ኣብ ምክልኻል ሕማማት ብምድሃብ ነቶም ንህዝብና ዘሳቕዩ ሕማማት ቀዳምነት ሂቡ ኣድላዪ መደብ ምክልኻል ክሕንጽጽን ከተግብርን እዩ፡” ዝብል ሓሳብ ኣስፊሩ ኣሎ።

ሎሚ ኣብ ኤርትራ ንቡር ዝፈልጥ፡ ሓላፍነት ህዝብን ሃገርን ዝስመዖን ዝርዳእን መንግስቲ እንተዝህሉ፡ ፖለቲካዊ ስሰዐኡ ኣወንዚፉ፡ ነቶም ንፖለቲካዊ ለውጢ ንቃለስ ዘለና ኤርትራውያን ከይተረፈ፡ ኩሉ ድሕሪ ድሕነት ህዝቢ ስለ ዝኾነ “ንዑ ህዝብና ብሓባር ነድሕን” ኢሉ ክጽወዓና መተገበአ። እንተኾነ ከምቲ “ ሓንሳብ ዝጐበጠ ኣይቀንዕን እዩ” ዝበሃል፡ ኢሳያስ ኣብቲ ጸረ-ህዝቢ ተግባሩ ስለ ዝደረቐ፡ ከምኡ ክገብር ኣይንጽበዮን ኢና። ሕሉፍ ሓሊፉ ገሊኦም መራሕቲ ሃገራት፡ ጉዳይ ህዝቦም ኣዝዩ ኣሻቒልዎም፡  “ፖለቲካዊ ስልጣን ድሕሪ ህዝቢ እዩ” ኢሎም ናብቲ ቅድም ዝነበሮም ሕክምናዊ ሞያኦም ኣብ ዝምለስሉ ግዜ፡ ኢሳያስ ግና ድምጹ ኣጥፊፉ ሃጢሙ።

ሕጂ ንሕናን ህዝብናን ናትና ንግበር። እዚ ኣብ ቅድሜና ተገቲሩ ዘሎ በዳሂ ዕማም በዳህን ንተደላይነት ሓድነት ዘበርኽን እዩ። እቲ እንብህጎን ምእንታኡ እንቃለሱ ዘለናን ሓድነት ሓይልታት ለውጢ ኣቐዲምና ኣውሒስናዮ እንተንጸንሕ፡ ኣብ መኸተ ኣንጻር ኮሮና ቫይረስ ዝያዳ መሓገዘና ነይሩ። ብዝኾነ ሕጂ እውን ይኸድብ እምበር፡ ዘይከኣል ኣይኮነን እሞ፡ እቲ ኣብ መንጎ ተቓወምትን ደገፍትን ህግዲፍ ዝጸንሐ ብምልካዊ ስርዓት ዝተኣልመ ዓለባ ሳሬት ተቐዲዱ ኩልና ኣብ ጉዳይ ምህላውን ዘይምህላውን ከም ህዝቢ ጉጅለ ህግዲፍ ከም ልማዱ ብዘይብለጸሉን መሰረታዊ ናይ ለውጢ ኣንፈትና ብዘየስሕትን ንሰጉም።

ርእሰ-ዓንቀጽ ሰዲህኤ

ካብዚ  ዓለምና ብሰንኪ ሕማም ኮሮና ቫይረስ ምህላውን ዘይምህላውን ተፋጢጠሙላ ዘለዉ ሓደገኛ ኩነታት፡ ንምውጻእ ኩሎም ወገናት ዝነበሮም ኣጀንዳታት ኣወንዚፎም፡ በብርኩርናዑ ንህልውና ሰባት ይረባረቡ ኣለዉ። እንተኾነ ዋላ እተን ኩሉ ከም ዝኽእላ ዝእመነለን ዝነበራ መንግስታት እውን ክሳብ ሎምስ ብዘተኣማምን መኪተን ውዱእ ውጽኢት ከርእያ ኣይከኣላን። ካብዚ ኣብ ዓለምና ከምቲ ዝሓለፈ ናይ ዓለም ውግኣት ናይ ፖለቲካዊ ሓይልን ምጣነሃብታዊ ዓቕምን ኣሰላልፋ ክቕይር እዩ፡ ተባሂሉ ዝግመት ዘሎ ኩነታት ንምውጻእ ካብ ዘኽእሉ መንገድታት ሓደ ብሓባር ምስራሕ ምዃኑ ተኣሚንሉስ ብግብሪ ክስረሓሉ ጀሚሩ ኣሎ። ሃገራት ኣብ ሕድሕደን ናይ መሳርሕን ክኢላታትን ሓገዝ ክለጋገሳ ምጅማረን ከኣ ናይዚ ኣብነት ጌርካ ዝውሰድ እዩ።

ሓቢርካ ምስራሕን ምቅላስን ክሳብ ክንደይ ኣገዳሲ ምዃኑ ንዓና ንኤርትራውያን ሓይልታት ለውጢ  ካብ ካልእ ዝንገረና ዘይኮነ ካብ ተመኩሮ ቃልስና ኣንጻር ህግዲፍ እንርደኦ እዩ። ምኽንያቱ ብሰንኪ ሓቢርካ ዘይምቅላስ ክሳብ ክንደይ እንጽበዮ ውጽኢት ክንረክብ ከምዘይክኣልና ንርዳእ ስለ ዝኾና። ሎሚ እውን እነሆ ጉዳይ ብሓባር ምስራሕን ምቅላስን ኣብ ልዕልቲ ኣገዳስነቱ ኣዝዩ ግዜ ዘይህብ እዋናዊ ዛዕባ ኮይኑ። ኤርትራውያን ሓይልታት ለውጢ ብፍላይ ኣብዚ ዝሓለፈ ክልተ ዓመታት ከስምዕዎ ዝጸንሑ ድምጽታት ኣገዳስነት ሓቢርካ ምቅላስ ክሳብ ክንደይ በሪኹ ከም ዘሎ ዘርኢ እዩ። ድምጺ ኤርትራውያን፡ ፖለቲካዊ ምሕዝነታት፡ ግንባራት፡ ሰልፍታትን ውድባትን እውን ካብዚ ዝተፈልየ ኣይኮነን። እዞም ፖለቲካዊ ሓይልታት ውሁድ ድምጾም ጥራይ ዘይኮነ፡ ኣብዚ ቀረባ ግዜ ብዛዕባ፡ ኣብ ሱዳን ኣብ ልዕሊ ስደተኛታት ዝወረደ በደል፡ ኩነታት ኤርትራውያን ስደተኛታት ኣብ እስራኤል፡ ኢድ ኣእታውነት ቀዳማይ ሚኒስተር ኢትዮጵያ ኣብ ጉዳይ ኤርትራዊ ዛዕባን ሓደገኛ ወስታ ልኡኻት ህግዲፍ ኣብ ልዕሊ ኣቶ ኣማኑኤል  እያሱን ዘውጽእዎ ናይ ሓባር መግለጽታት መስርሕ ሓድነት ኣብ ምጽራግን ሕድሕድ ምትእምማን ኣብ ምዕኳኽን ዝነበሮ እጃም ብቐሊሉ ዝግመት ኣይኮነን።

እነሆ ሎሚ ከኣ እዞም ፖለትካዊ ሓይልታት ኤርትራ ኣብዚ ዓለምና ኣብ ፍሉይ ኣጨናቒ ኩነታት ኣትያትሉ ዘላ ህሞት ብ31 መጋቢት 2020 “ሓባራዊ መልእኽቲ ናብ ህዝቢ ኤርትራ/ መጸዋዕታ ኤርትራውያን ናብ ዓለም-ለኻዊ ሰብኣዊ ማሕበረሰብ፡ ካብ ፖሊቲካዊ ሓይልታት ኤርትራ” ኣብ ትሕቲ ዝብል ኣርእስታት ብዝተፈላለዩ ቋንቋታት ብሓባር ቃሎም ኣስሚዖም ኣለዉ። እዚ መጸዋዕታ በቲ ሓደ ወገን፡ ህዝቢ ኤርትራ በቲ ብዛዕባዚ ቀዛፊ ሕማም ኮሮና ቫይረስ ብዝተፈላለዩ ወገናት ዝወሃብ ዘሎ መከላኸሊ መምርሕታት መሰረት፡ ዘለዎ ዓቕሚኳ ውሱን እንተኾነ፡ ክንዲ ዝከኣሎ ነብሱ ክሕሉ፡ ኣብ ሕድሕዱ ክተሓጋገዝን ምስ ሓይልታት ምክልኻሉ ኩይኑ ተጽዕኖኡ ኣብ ልዕሊ ጉጅለ ህግዲፍ ከሕይልን ዝጽውዕ እዩ። በቲ ካልእ ወገን ከኣ እዚ ናይ ሓባር መጸዋዕታ፡ ብሓፈሻ ኩሉ ማሕበረሰብ ዓለም፡ ብፍላይ ከኣ ጉዳይ ሰብኣውነት ዝምልከቶምን ዘገድሶምን ከም ትካል ጥዕና ዓለም ዝኣመሰሉ ትካላትን ኤርትራውያን ኣዕቊቦም ዘለዉ ናይ ርሑቕን ጐረባብትን መንግስታትን፡ ንጉዳይ እቶም “ኣነ ኣለኹልኩም” ዝብል ናይ ህዝቡ  ሓላፍነት ዝወስድ መንግስቲ ዘየብሎም ኤርትራውያን፡ ዝያዳ ኩሉ ግዜ ቆላሕታ ክህብዎ ዝምሕጸን እዩ።

እቲ መጸዋዕታ ብዛዕባ ኩሎም ኤርትራውያን ዝግደስ ኮይኑ፡ ብፍላይ ምስዚ እዋናዊ ኩነታት ኣተሃላልዋኦም ንሓደጋ ተላጋቢ ሕማም ኮሮናቫይረስ ዝተቓለዐ፡ ኣብ መደበራት ስደተኛ፡ ኣብ ከም ሳዋ ዝኣመሰሉ ግዱድ መዳጐንን ኣብ ፈቐዶ ስዉርን ግሁድን ኣብያተ-ማእሰርትን ንዝርከቡ ኤርትራውያን ዝያዳ ቆላሕታ ዝህብ እዩ። እዚ መጸዋዕታ ኣዝዩ እዋናውን ግዜ ዘይህብ ቅልጡፍ ምላሽ ዝሓትትን ብምዃኑ ድሮኳ ብላዕለዎት ጉዳይ ኤርትራ ዝምልከቶም ኣካላት ሰብኣዊ መሰል ሕቡራት ሃገራት ኣቓልቦ ረኺቡስ “እሱራት ፍታሕ” ዝብል መልእኽቲ ናብቲ ማእዝኑ ዝሰሓተ ምምሕዳር ኤርትራ ክመሓላለፍ ጀሚሩ ኣሎ። ምምሕዳር ኤርትራ ግና ሓንሳብን ንሓዋሩን ኣብ ልዕሊ ህዝብና ስለ ዝጨከነ፡ ብዛዕባ እሱራት ምፍታሕን ዘይምፍታሕን ዘይኮነ፡ ብዛዕባ ንህዝቢ ኤርትራ ዝተለገሰ ሓገዝ መከላኸሊ ሕማም ኮሮናቫይረስ ኣይቅበልን ምባሉ፡ ኣብ ኤርትራ ዝነበራ ዘይመንግስታዊ ትካላት ጥዕና ምዕጻዉን መራሒኡ ኣብ ክንዲ ተስፋ ዝህብን ዘተባብዕን መግለጽታት  ዝህብ ምሕባኡን ዘመልክቱ ዜናታት ኢና ንሰምዕ፡ ንዕዘብን ነንብብን  ዘለና።

ኣብዚ ወሳኒ እዋን ኣብ ወጻኢ ኣብ ዝተፈላለዩ ኩርነዓት ዝነብሩ ኤርትራውያን ኣብ ውሽጢ ዓዲ ንዘለዉ ኮነ ኣብ መደበር ስደተኛታት ንዝርከቡ ዜጋታቶም ንምሕጋዝ ዝገብርዎ ዘለዉ ምንቅስቓስን ዘርእይዎ ዘለዉ ሓልዮትን ዝነኣድን ዘሕብንን ስለ ዝኾነ፡ ኩልና ብተገዳስነት ከነሰንዮ ዝግበኣና እዩ። እዞም ምቕሉላት ሓደ ኣብ ግምት ከእትውዎ ዝግበኦም መሰረታዊ ቁምነገር ግና ኣሎ።  ጉጅለ ህግድፍ ነቲ ምልዕዓሎም ከም ፖለቲካዊ መሕብእን መረሳስዕን፡ ነቲ ልግሶም ተወፋይነቶምን ከኣ፡ ከምቲ ልማዱ መህጠሪ ጉጅላዊ ካዝንኡ ከይጥቀመሎም ምስትብሃል ከድሊ እዩ። እዚ ኣብ ዓለምና ተላቢዑ ዘሎ፡ ጌና መንቀሊኡን መዕረፊኡን ዘይተፈልጠ ሕማም፡ ዓለም ብዓለማ ብማዕረ ዘንቀጥቅጥ ዘሎ እዩ። እንተኾነ ናይ ዝተፈላለያ ሃገራት ስርዓታትን ምምሕዳራትን ኣብ ኣተሓሕዛ እቲ ጸገም ናቱ ግደ ከም ዘለዎን ንብዙሓት ከም ዝፈተነን  ንዕዘቦ ዘለና እዩ።

ብመንጽርዚ ጉዳይ ሃገርና ኤርትራ ምስቲ ዝጸንሐ፡ ህዝቢ ዘየሳትፍ ጥራይ ዘይኮነስ ኣብ ግምት እውን ዘየእቱ ቀይዲ በተኽን ኣብ ንቡር ኩነታት እውን ዝተሳዕረ፡  ኣተሓሕዛ ህግዲፍ ኣብ ምግዳድ እቲ ሳዕቤን ዓብይ ግደ ከም ዝህልዎ ኣይንዘንግዕ። ካብዚ ብምንቃል ከኣ ኣብ ኤርትራ ለውጢ ናይ ምርግጋጽ ቀጻሊ ፖለቲካዊ ቃልስና፡ ብሰንክዚ ኣጋጢሙ ዘሎ እዋናዊ ጸገም ንግዜኡ ደኣ ቀዳምነት ኣይንህቦ እምበር፡ ቀንዲ ውራይና ስለ ዝኾነ፡ በዚ እዋናዊ ጸገም ተሰናቢድና ኣዋዲቕናዮ ህዝብና ንሓዋሩ  መፍቶ ህግዲፍ ክኸውን ኣይንፈቅድን ኢና። ካብ ሓባራዊ ኣዋጃትን መግለጺታትን ክብ ኢልና፡ ምስ ከም ንቕሎ ይኣክልን ብሓፈሻ ተበግሶ ኤርትራውያን ምሁራትን ሞያተኛታት ጥዕናን ኮይና፡ ናብ ዝያዳ ተግባራዊ ስጉምትታት ከነቕንዕ ከድልየና እዩ።

ርእሰ-ዓንቀጽ ሰዲህኤ

ኣብዚ እዋንዚ ብሰንክ’ቲ ህግዲፍ ኣብ ሃገርና ዝፈጠሮ ኩርኳሕ ኩነታት፡ ኤርትራውያን ከም ደቂ ዛግራ ፋሕጭንግራሕ ኢሎም ከም ዘለዉ ፍሉጥ እዩ። ኣብ ገዛእ  ሃገሮም ኣብ ሕሱም መነባብሮን ኣብ ዝተፈላለዩ ኣብያተ-ማእሰርትን ኣብ ዘይውሑስን ዘይክፈሎን ግዱድ ስረሓትን ኣብ ዝቓይ ይነብሩ ኣለዉ። ካብዚ ሓሊፉ  እቶም ካለኦት ገሊኦም ኣብ ውጻኢ ኣብ ዝተፈላለያ ሃገራት  ኣብ ዘይውሑስ ህይወት፡ ካለኦት ከኣ ኣብ ፈቐዶም ኣጸጋሚ መደበር ስደተኛታትን ኣብ ጉዕዞ ናብ ስደትን ዝኣመሰሉ ንሓደጋ ዝተቓልዑ ኩነታት ይርከቡ። እዚ ኣተሃላልዋ ኤርትራውያን ብፍላይ ናይቶም ስደተኛታት፡ ኣይኮነንዶ ኣብ ከምዚ ሎሚ ዓለም ለኻዊ ኣዝዩ  ሓደጋ ኮሮናቫይረስ ከቢድ ጉድኣት ዘውርደሉ ዘሎ፡ ኣብ ንቡር ኩነታት እውን ክሳብ ክንደይ ከቢድ ምዃኑ ምርድኡ ዘጸግም ኣይኮነን።

ኣብ ፈቐዶ መደበራት ስደተኛ ዘለዉ ኤርትራውያን፡ ብሰንክዚ ናይ ፋሕጭንግራሕ ኣተሃላልዋኦም ሓብሓቢ ስኢኖም ክሳቐዩን ካብዚ መከራ ንክወጹ ክምሕጸኑን ጸኒሖም እዮም። ካብ ሊቢያ፡ ማልታን እስራኤልን  ክንሰምዖ ዝጸናሕና ቀጻሊ ኣውያትን መጸዋዕታን ኤርትራውያን ናይዚ ኣብነት እዩ። ኣብ መደበራት ስደተኛ ሱዳንን ኢትዮጵያን ናይ ዝነብሩ ኤርትራውያን ህይወት እውን ካብዚ ብዙሕ ዘይፍለ ኮይኑ ጸኒሑን ኣሎን። ኣብዚ ቀረባ እዋን፡ ሕማም ኮሮናቫይርስ ኣብ ዘተኣማምን ኩነታት ኮንካ እውን ኣዝዩ ኣጨናቒ ኮይንሉ ኣብ ዘሎ፡ ኣብ ትግራይ መደበር ሕንጻጽ ዝርከቡ ኤርትራውያን ዝደተኛታት፡ ብዘይ ድሌቶም፡ እኹል መሳለጥያን መጽለልን ናብ ዘየብሎም መደበራት ማይዓይንን ዓዲ ሓርሽን ንምብታኖም ዝግበር ዘሎ ገልታዕታ፡ ግዳይ ናይዚ ሕማም ናይ ምዃን ዕድሎም ዘጋድድ እዩ። ኤርትራውያን ስደተኛታት ግና ሰማዒ እዝኒ ክሳብ ዝረኽቡ ነቲ ንኣተሓሕዛ ስደተኛታት ዘይተኸተለ ኣስገዳድ ውሳነ ምቅዋሞም ቀጻሊ ኣሎ። ካብዚ ከይወጻእና፡ ነቲ ብክልላዊ መንግስቲ ትግራይ ዝረአ ዘሎ ልግስን ሰብኣዊ ሓላፍነትን እንዳነኣድናን እንዳተባባዕናን፡ ፈደራላዊ መንግስቲ ኢትዮጵያ ካልእስ ይትረፍ እዚ ሕማቕ እዋን ክሳብ ዝሓልፍ፡ ንጉጅለ ህግዲፍ ብዋጋ ስደተኛታት ንምሕጓስ፡ ኣብ ልዕሊ ኤርትራውያን ስደተኛታት ከይጭክንን ኣብ ውሳነኡ ዳግመ-ርኢቶ ክገብርን መጸዋዕታና ነቕርበሉ።

ኣብዚ ሓያላትን ምዕቡላትን ሃገራትኳ ዜጋታተን ንምድሓን ኣዝየን ተጸጊመናሉ ዘለዋ ግዜ፡ ብዛዕባ ኣብ ፈቐዶ መደበራት ስደተኛ ዘለዉ ግዳያት ዝዛረብ ዓለም ለኻዊ ኣካል ዘይምህላዉ ከኣ፡ ስደተኛታት ኣብ ኩሉ ኩርነዓት ክሳብ ክንደይ ኣብ ሓደጋ ከምዘለዉ ዘመልክት እዩ። ኣብ ወጻኢ ዝነብሩ ኤርትራውያን፡ ካብቶም ኣብ መደበራት ስደተኛ ተዳጒኖም ዘለዉ ዝሓሸ ናይ ምዝራብን ምልጋስን ዕድል  ስለ ዘለዎም ቅድሚ ሕጂ ኣብ ብዙሕ ኣጋጣምታት ስደተኛታት መሰሎም ከይግፈፍ ክምሕጸኑ ጸኒሖም እዮም። እዚ ጉዳይዚ ሎሚ እውን ቆላሕታ ሂቦም ስምዕታኦም ከዛይድሉ ዝግበኦም ወቕቲ እዩ። ብግብሪ ከኣ ከምኡ ይገብሩ ኣለዉ። ዋላኳ ዝያዳ ናብ ስደተኛታት ምትኳር ዘድሊ እንተኾነ፡ ናይቲ ኣብ ውሽጢ ሃገር ዘሎ ኤርትራዊ ህይወት እውን ንምምሕዳር ህግዲፍ ኣሚንካ ዘቕስን ከምዘይኮነ ርዱእ እዩ።

ቅድሚ ናብቲ ክግበረሎም ዝግባእ ደገፍ ምሕላፍና፡ ኤርትራውያን ስደተኛታት ኣብ ዘዘለዉዎ ከም ዝኾነ ሰብ ክንድቲ ኩነታት ዝፈቅደሎም፡ ነቲ ንምክልኻል ሕማም ኮሮናቫይርስ ብዝምልከት ዝመሓላለፍ ምዕዶን ምኽርን ተስፋ ከይቆረጹ ክተግብሩ ይግበኦም። ምኽንያቱ ናይዚ ሕማምዚ መከላኸሊ ክሳብ ሕጂ ኣብ ኢድ ሓካይም ዘይኮነ፡ ኣብ ኢድ ጥንቃቐ ነፍሲ ወከፍ ዘሎ ብምዃኑ። ኣብዚ ዕዉታት ንክኾኑ ከኣ፡ ብዝኾነ ይኹን ንኡሳን ስምዒታትን ዝንባለታትን ከይተፈላለዩ ሓድነቶም ኣደልዲሎም ኩሉ ዓቕሞም ህይወት ናብ ምድሓን ከውዕልዎ ንጽወዖም።

ብዛዕባቲ ኣብ ትሕቲ ምምሕዳር ህግዲፍ ዝነብር ህዝብና፡ ህግዲፍ ኣብ ሎሚ በጺሑ ርህሩህ ልቢ ከሕድር እትጽበዮ ኣይኮነን። ምኽንያቱ ሓንሳብን ንሓዋሩን ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ኤርትራ  ዝጨከነ ስለ ዝኾነ። ዋላ ከምኡ ይኹን እምበር ህግዲፍ ከምቲ ናይ ቅድሚ ሕጂ ንህዝብና ኣብ ኩሉ መዳያት ህይወት ክቕጽዖ ዝጸንሓ፡ ኣብዚ ኣዝዩ ሕማቕ እዋን ከይደግሞ ነዚ ጉጅለ ከይነገርናዮ ኣይንሓልፍን። ህዝብና እምነቱ ኣብ ልዕሊቲ ጉጅለ ስለ ዘጉደለ፡ ኢድን ድምጽን ናይቲ ኣብ ወጻኢ ዝነብር ወገኑ ክጽበ እዩ። እቲ ኣብ ወጻኢ ዝነብር ህዝብና እውን ነዚ ዝስሕቶ ኣይኮነን። በብኩርንዑ “እንታይን ብኸመይን ኢና እሞ ንህዝብና ክንሕግዞ?” ዝብል ሕቶ ይለዓልን ግብራዊ ምንቅስቓስ ይረኣይን ምህላዉ ከኣ፡ ናይዚ ምስክር እዩ።

ኣብዚ  እቲ ዝግበር ሓገዝ ናብቲ ህዝቢ ከም ዝበጽሕ ምርግጋጽ ከድሊ እዩ። እቲ ዝወሃብ ሓገዝ ብዓይነት ኣብ ምክልኻል እዚ ሕማም ዝሕግዙ ጥዕናዊ መሳርሕታት እምበር፡ ብጥረ ገንዘብ ከይከውን ምስትብሃል ኣድላይ እዩ። ምኽንያቱ ህግዲፍ ዝኾነ ኣጋጣሚ ተጠቒሙ፡ ቀዳምነቱ ምምላእ ካዝና ስለ ዝኾነ፡ “ጥረ ገንዘብ ሃቡኒ እሞ ባዕለይ መሳርሒ ክዕድግ እየ” ዝብል ብሂል ከም ዘምጽእ ፍሉጥ እዩ። እቲ “ህግዲፍ ናይ ገንዘብ እምበር፡ ናይ ዓይነት ሓገዝ ኣይኮነን ዘድልየና” ኢሉ ብዝብል ዝናፈስ ዘሎ ወረ ከኣ ነዚ ዘመልክት እዩ።

ኣብዚ ኣስጋኢ እዋን ብዛዕባ ኤርትራ ክንዛረብ እንከለና፡ ኣብ ቅድሜና ዘሎ “ብኸመይ ንሕግዝ?” ጥራይ  ኣይኮነን። ጉጅለ ህግዲፍ ኣብ ፈቐዶ ምስጢራዊ ኣብያተ-ማእሰርቲ ዳጒንዎም ዘሎን በዚ ሕማም እዚ ዝያዳ ክጥቅዑ ዝኽእሉን እሱራት ክፈትሕ እውን ክንምሕጸኖን ነዚ መልእኽቲ ኣብ ልዕሊ ህግደፍ ተጽዕኖ ናይ ምግባር ዓቕምን ሓላፍነትን ናብ ዘለዎም ኣካላት  ከነብጸሖን ከኣ እዋኑ እዩ።

ርእሰ-ዓንቀጽ ሰዲህኤ

ኣብ ሓደ ዝተወሰነ መድረኽ ብሓንሳብ ተደራራቢ ብደሆታት ከጋጥም ዝነበረ እምበር ሎሚ ዝጅምር ዘሎ ኣይኮነን። ኣብ ከምዚ ኩነታት ንጉዳያት ከከም ህጹጽነቶምን ክብደቶምን ቀዳምነታት ሰሪዕካ ምሓዞም ግድነት እዩ። ኣብ ዝተወሰነ እዋን ቀንዲ ቆላሕታኻ ኣብቲ ቀዳምነት ዝሃብካዮ መደባት እኳ እንተኾነ፡ ነቶም ጽባሕ ቀዳማይ ደረጃ ዝሕዙ ሎሚ ግና ኣብ 2ይ፡ 3ይ ደረጃ ዝስርዑ ዋኒናት እውን ጠቕሊልካ ትርሰዖም ማለት ከም ዘይኮነ ካብ ተመኩሮ እንመሃሮ እዩ።

ሎሚ ንዓለምና “ኮቪድ-19 ኮሮናቫይረስ” ዝተባህለ ትንፋስ ዘይህብን ዘየናሕስን ለበዳ ኣሸቢርዋ ኣሎ። ቅድሚ ሕጂ እውን ኣንበጣ፡ ምንቅጥቃት መሬት፡ እሳተ-ጐመራን ደርቅን ካልእ ዓይነት ተላጋቢ ሕማማትን ተመሳሳሊ ጸገም ዝፈጠርሉ ተመኩሮኳ እንተነበረ፡ ናይ ኮሮናቫይረስ ጉዳይ ግና ፍሉይ ምዃኑ ኩልና ንሓልፎ ዘለና ህይወት እዩ። እዚ ዓለም ብዓለማ ኣሰንቢዱ ዘሎ ወራር ኮሮና፡ ኣይኮነንዶ ንዓና ነቶም ጽባሕ ብኹሉ መለክዒ ብቕዕትን ተወዳዳሪትን ኤርትራ ክንርኢ ጌና ንቃለስ ዘለና ሓይልታት ለውጢ፡ ነቶም ኣብ  ኩሉ ጽላታት ዕቤት ዝለዓለ ደረጃ ዝሓዙ መንግስታትን መራሕተንን እውን ኣዝዩ ብዳሂ ኮይኑ ዘሎ እዩ። ህልዊ ኩነታት፡ ቻይና፡ ኢጣልያ፡ ኣሜሪካ፡ ፈረንሳ፡ ስፐይን፡ ጀርመንን ካለኦት መሳቱአንን ከኣ ናይዚ ምስክር እዩ።

ብዘይ ወዲ ሰብ ዝሕሰብ ዕቤት ኮነ ህልውና የለን። ወዲ ሰብ የለን ማለት ኩሉ የለን ማለት እዩ። ከምዚ ስለ ዝኾነ እዩ ከኣ ነዚ ቀዛፊ ለበዳ ምዕጋት ቅድሚ ኩሉ ዝስራዕ ዓለም ለኻዊ ኣጀንዳ ኮይኑ ዘሎ። ዓለምና ከኣ ኩለንተነኣ፡ ቀልባን ዓቕማን ኣብኡ ተጸሚዳ እነሀት። እንተኾነ እዚ ኣጸጋሚ ኩነታት ሓሊፉ ናብቲ ዝጸነሓቶ ንቡር ህይወት ከም እትምለስ ትስፉው ተረድኦ ምሕዳር ከኣ ግድነት እዩ። ተስፋ እንተዘየልዩ ነዚ ቀዳማይ ደረጃ ሒዙ ዘሎ “ህይወት ካብ መቕዘፍቲ ናይ ምድሓን” ምርብራብ እውን ከተዕውት ኣይክትክእልን እያ። ነዚ በዳሂ መኸተ ምዕዋት ንውሱናት ሃብታማትን ሓያላትን ጥራይ ዝግደፍ ዘይኮነ፡ ናይ ኩልና ዓቕሚ ዝሓትት ምዃኑ ክንርዳእ ናይ ግድን እዩ። ካልእ ይትረፍ ነቲ ብክኢላታት “መዋጸኦ ክኸውን” ተባሂሉ በብግዜኡ ዝንገረና መምርሕታትን ምዕዶን ተቐቢልና ህይወትና እንተ ኣድሒንናን፡ ብዘለና ዓቕሚ እቲ ምኽርን መጠንቀቕታን ናብቲ ክበጽሖ ዝግበኦ እንተኣባጺሕናን  ኣብ ምምካት ክሮና ዝነዓቕ ኣስተዋጸኦ ኣይኮነን።

ቀዳማይ ዕማሙን ተልእኮኡን ፖለቲካዊ ጐስጓስ ኮይኑ ዝጸንሐ ናይ ሓይልታት ለውጢ ናይ መራኸቢ ሜላታት ብዘለዎ ዓቕሚ፡ ኣካል ናይቲ ነዚ ሕማም ንምምካት ዝካየድ ዘሎ ምርብራብ ኮይኑ ክስለፍ ከድልየና እዩ። ነዚ ዝምልከት ሓበሬታ ክንዝርግሕ እንከለና ከኣ ጥንቃቐ ንግበር። ህዝቢ ኣሰንቢዱ ዘርዕድን ተስፋ ዘቑርጽን ዘይኮነ፡ ጌጋ መንገዲ ከይሕዝ ዝምዕድን ትስፉው መጻኢ ዘመላኽትን ክኸውን ይግበኦ። ከም ኣብነት ናይተን ነቲ ሕማም ናይ ምቁጽጻር ኣወንታዊ ኣንፈት ዘርእያ ዘለዋ ሃገራት ክንጠቕሰሉ ይምረጽ። ኣጋጣሚ ኮይኑ በዚ ሕማምዚ ተለኺፍካ ማለት ብኡንብኡ ትመውት ማለት ከምዘይኮነ ምርድኡ እውን ጽቡቕ እዩ።

ከምቲ “ካብ እመት ስድሪ ኣላታ” ዝበሃል እዚ ሕማም ኣይኮነንዶ ኣብ ከምዚ ሕጂ ንርከበሉ ዘለና ኣሻቓሊ ደረጃ፡ ኣብ ንቡር ግዜኳ ተራ መድሃኒት ኣብ ዘይርከበለን ኣብ ከም ኤርትራ ዝኣመሰላ ሃገራት ዝያዳ ከም ዘሻቕል ፍሉጥ እዩ። ብኣንጻሩ ናይዚ ሕማምዚ ቀንዲ መከላኸሊ እቲ ህዝቢ ኣብ ዝገብሮ ጥንቃቐ ዝምርኮስ ስለ ዝኾነ፡ ህዝብና እንተደኣ ተጠንቂቑ ማዕረቲ ኣብተን ሓያላትን ዝማዕበላን ሃገራት ዘሎ ህዝቢ ክምክትን ክድሕንን ተኽእሎ ከም ዘለዎ ክንሕብሮን ከነተስፍዎን ክንበቅዕ ይግበኣና።

እዚ ከም ሰብ ንህልውናና ዘስግእ ዘሎ ሕማም፡ ነቲ ናይ ለውጢ ቃልስና ክሳብ ክንደይ ከም ዝሃስዮ ንርእዮ ዘለና እዩ። ርሑቕ ከይከድና እቲ ዓብይ ተጽቢት ተነቢርሉ ዝነበረ፡ ኣጋጣምታት፡ ኣኼባ 14 መጋቢት ኣብ ዋሽንግተን ዲሲ፡ ርክብ መራሕቲ ተቓወምቲ ፖለቲካዊ ውድባትን ሰልፍታትን ኤርትራ ለንደን 22-24 መጋቢት 2020ን ኣብ ጀርመን ኮነ ሽወደን ተመዲቡ ዝነበረ ኣኼባታት ዘይምክያዱ ርኡይ ኣበነት እዩ። እዚ ክበሃል እንከሎ ግና እዚ ሎሚ ኩሉ ቀልብናን ሃምናን ናብኡ ኣቕኒዕናሉ ዘለና ቀዛፊ ለበዳ ሓሊፉ፡ እቲ 2ይ 3ይ ደረጃ ሒዙ ዘሎ ተደራራቢ  ናይ ለውጢ ቃልሲ ዋኒንና ኣብ 1ይ ቦታኡ ከም ዝምለስ ተስፋ ከነሕድር ይግበኣና። እዚ ዘለናሉ ኩነታት ምናልባት ብስፍሓቱ፡ ቅልጣፈኡን ዘኸትሎ ዘሎ መቕዘፍትንኳ ፍሉይ ግምት ዝወሃቦ እንተኾነ፡ ከምቶም ዝሓለፉ ባህርያዊ ጸገማት ዝሓልፍ እምበር ከም ናይ መወዳእታና ህልውናና ጌርና ክንወስዶን ንኹሉ ተስፋና ካብ ኣእምሮና ሓጢጥና ከነውጸኦን ኣይግበኣና።

እዚ ዘለናሉ ኩነታት ተቐይሩ፡ ኣብቲ ስሩዕ ናይ ለውጢ ቃልስና ተመሊስና፡ ነቲ ርህራሀን ተሓታትነት ዝረሓቖ  ምምሕዳር ህግዲፍ ስዒርና፡ እታ ንብህጋ ኤርትራ ከም እነውሕስ እምነት ከነሕድር ይግበኣና። ህዝብና ኣብ ዓዲ ይሃሉ ኣብ ወጻኢ፡ ኣብቲ ዘይተርፍ ዓወቱ ክጠራጠርን ተስፋ ክቖርጽን ኣይግበኦን። ሕጂ እውን ናይ ሎሚ ቀዳምነትና ድሕነት ህዝቢ ኤርትራን ዓለምንኳ እንተኾነ፡ ከቶ ሰብ ተደራራቢ ዋኒን ምዃና ግና ንካልኢት እውን ክንዝንግዕ ኣይግበኣናን።

ርእሰ-ዓንቀጽ ሰዲህኤ

መሪሕነት ህዝባዊ ግንባር ንዲሞከራስን ፍትሕን ብሓፈሻ፡ ውልቀ-መላኺ ኢሳያስ ኣፍወርቂ ድማ ብፍላይ፡ ተበዲልና እምበር በዲልና ዘይወጾም መራሕቲ ኢዮም። ስለዝዀኑ ድማ፡ ይቕሬታ ክሓቱ ወይ ሕድገታት ክገብሩ ባህርያቶም ኣየፍቅደሎምን ኢዩ። ጌጋኻ ከይኣረምካ፡ ካብ ቂምን ቅርሕንትን ዝተበገሰ ተጻይ መልሲ እንዳሃብካ ሃገር ምምራሕ ስለዘይከኣል ከኣ፡ እንሆ ኤርትራን ህዝባን ብስእነት ሰላምን ሰናይ ምሕደራን ንእልቢ ዘይብሉ ጸገማት ተቓሊዖም ይርከቡ። ብኻልእ ኣገላልጻ፡ ዕጫ ህዝቢ ኤርትራ፡ ድኽነት፡ ሕማም፡ ድንቍርና፡ ህውከትን ስደትን ኰይኑ ኣሎ።

ነዚ ሓቂ’ዚ ንምሽፋንን ዕምሪ ስልጣኑ ንምንዋሕን ኢዩ እምበኣር ውልቀ-መላኺ ኢሳያስ ኣፍወርቂ፡ ብድሆታትን ዕድላትን ዝብል ቃላት ኣብ ነፍስወከፍ ዓመት እናደጋገመ ንህዝቢ ከደናግር ክፍትን ዝጸንሐን ዘሎን።  ብዓይኒ ሓቂ እንተርኢናዮ ግን፡ እዚ ስርዓት’ዚ ብብድሆታት ዝቝዝም ንዝተፈጥሩ ዕድላት ድማ ብኸንቱ ዘባኽን ስርዓት ኢዩ።

ናጽነት ኤርትራ ብ1991 ምስ ተረጋገጸ፡ ንብድሆታት  ህንጻ ሃገር ንምስዓር ዘኽእሉ ብዙሓት ዕድላት ኢዮም ተኸሲቶም ነይሮም። ተቓወምቲ ውድባት ኤርትራ፡ ንግዝያዊ መንግስቲ ኤርትራ ተቐቢሎም፡ ከም ተቓወምቲ ብናጽነት ክዋስኡ ዘኽእሎም ዘተ ንምግባር ቅሩብነቶም ዝገለጽሉ እዋን’ዩ ነይሩ። መራሕቲ ኤርትራ፡ ኢትዮጵያን ኡጋንዳን ናይ ሓድሽ ወለዶ መራሕቲ ተባሂሎም ኣህጕራዊ ማሕበረ-ሰብ ብሓፈሻ፡ መንግስቲ ኣመሪካ ከኣ ብፍላይ ክድግፎም ድልዊ ነይሩ። ዓለም ብዓለማ ብኢትዮጵይ ጀሚርካ፡ ናጽንትን ልዑላውነትን ናይ ኤርትራ ተቐቢላ፡ ምስ ኤርትራ ሓቢራ ክትሰርሕ ኤምባሲታት ኣብ ኤርትራ ከፊታ። ጣልያን፡ መገዲ ባቡር ኤርትራ ባዕለይ ክሰርሖ ኢላ ተመባጺዓ። ኮሚሽን ስደተኛታት ሕቡራት ሃገራት፡ ኤርትራውያን ስደተኛታት ናብ ሃገሮም ተመሊሶም ንኽጣየሱ ዘድሊ ሓገዛት ክገብር ወሲኑ። ኣብ ግዳም ዝነብሩ ኤርትራውያን ከኣ፡ ነታ ዘላቶም ዓቕሚ ኣብ ህንጸት ሃገሮም ከውዕሉ፡ ብሓብር ድዮም ወይስ በብውልቆም ኣብ ዝተፈላለየ መዳያት ገንዘቦም ከዋፍሩ ክጓየዩ ዝተራእይሉ ወቕቲ’ዩ ነይሩ።

ምልካዊ ስርዓት ኣስመራ ግን፡ ነዚ ዕድላት’ዚ ብምሉኡ ኣባኺኑ’ዩ ናብ ብድሆታት ቀይርዎ። ናጽነት ኤርትራ ምስ ተረጋገጸ፡ ኢሳያስ ኣፍወርቂ ኣብ ዝሃቦ መግለጺ፡ ምስ ዲፕሎማስያዊ ዕዮ ዘይሳነ፡ ንውድብ ሓድነት ኣፍሪቃን ንዅሎም መራሕቲ ኣፍሪቃን  ብምቍንጻብን ብምጽራፍን ኢዩ ፈሊምዎ። ንጣልያን ውን ከምኡ እቲ ገንዘብ ኣብ ኢድና እንተዘይሃብኩምና ይትረፈና ዝብል መልሲ ሂቡ፡ ብጕልበት ኤርትራውያን ነቲ መገዲ ባቡር ዘመናዊ ንምግባር ዘይኰነስ፡ ነቲ ዝነበረ ንምጽጋን ክንደይ ግዜን ገንዘብን ከጥፍኣሉ መሪጹ። ንወኪል ኤምባሲታት ሕብረት ኣውሮጳ ኣባሪሩ፤ ስደተኛታት ከይምለሱ፡ ምስኦም ተሓኤን ዕላማታቱን ክምለሱ ኢዮም ካብ ዝብል ስግኣት ናይ መምለሲኦም ገንዘብ ደኣ ሃቡኒ እምበር፡ ከመይ ከምዝምለሱስ ባዕለይ ኢየ ዝፈልጦ ብምባል ነቲ ተበግሶ ኣምከኖ። ኤርትራውያን ኣውፈርቲ ድማ፡ ንገሊኦም ፕሮጀክትታቶም ሰሪቑ፡ ኣብ ግብሪ ክውዕል ዘየኽእል ምስምስ፡ ንኣብነት ፋብሪካ ክገብር እንተበሉ ሓይሊ ኤለክትሪክ ኣብ ዘይርከቦ ቦታ ክተኽልዎ ወይ ድማ እዚ ፕሮጀክት’ዚ ድሮ ብኻልኦት ቀሪቡ ኣሎ ኢሉ ከምክኖን ቦንድ’ዶ ናይ ገዛውቲ ፕርጀክት’ዶ እናበለ ሃብቶም፡ ገንዘቦምን ጕልበቶምን ክዝርፍ ኢዩ ተራእዩ። እትረፍ’ዶ ኣውፈርቲ ካብ ወጻኢ ናብ ኤርትራ ክኣትዉ። እቶም ኣብ ኤርትራ ዝነበሩ ውሕዳት ሰብ ርእሰ-ማል ሃገሮም ራሕሪሖም ክወጹን፡ ሃብቶም ኣብ ሃገራት ኣፍሪቃ ከዋፍርዎን ተራእዮም።

እቲ ጸይቂ ስራሕ ኣብ’ዚ ጥራሕ ተደሪቱ’ውን ኣይተረፈን። ምስ ጐረባብቲ ሃገራት የመን፡ ሱዳን፡ ኢትዮጵያን ጅቡትን ውግእ ብምብራዕ ንዞናና ናብ ዘይርጉእን ናይ ውግእን ወረ ውግእን ዞና ቀይርዎ። ከም ውጽኢቱ ድማ፡ ብምልዮናት ዝቝጸሩ ነበርቲ ናይ’ዘን ሃገራት ኣደዳ ሞት፡ ስንክልና፡ ምፍንቓልን ስደትን ኰይኖም። እታ እንኮ ዝነበረትና ዩኒቨርሲቲ ተዓጽያ፡ ብወተሃደራት ዝካየድ ኣብያተ-ትምህርትን ኮለጃትን ተተኪኣ። በዚ ኣገባብ’ዚ፡ ኤርትራ፡ ዝነበራ ዕድላት ኵሉ ባኺኑ፡ ስማን መልክዓን ተደዊኑ፡ ዜጋታታ ኣደዳ ማእሰርቲ፡ መጭወይቲ ቅንጸላን ስደትን ኰይኖም። ዋላ እቶም ነቲ ውልቀ-መላኺ ናብ ስልጣን ዘምጽእዎ ተጋደልትን መራሕቲ ብጾቱን ከይተረፉ ካብ’ዚ ዕጫ’ዚ ኣይደሓኑን። ብሓጺሩ፡ ኤርትራ ናብ ዓባይ ቤት ማእሰርቲ ኢያ ተቐይራ። ነዚ ናይ ቤት ማእሰርቲ መነባብሮ ድማ፡ ስርዓት ኢሳያስ፡ ኣብ ኤርትራ ሰላም ኣሎ፡ ከም ድላይካ ከይሰጋእካ ክትዛወር ትኽእል እናበለ ክንየተሉ ይስማዕ ኢዩ። እወ፡ ኣብ ቤት ማእሰርቲ ዘረባ የለ፡ ተቓውሞ የለ፡ መሰል የለ፡ ባእሲ የለ፡ በቶም ዝሕልውኻ ወተሃደራት ዝወሃበካ ትእዛዛት እናፈጸምካ ኢኻ ትነብር። ነዚ’ዩ ሰላም ሰፊኑ ኢሉ ክምክሓሉ ዝስማዕ።

ሕጂ ብዛዕባ ኣየናይ ዕድል ኢዩ ስርዓት ኢሳያስ ክዛረብ ዝፍትን ዘሎ ብዙሕ ብሩህ ኣይኰነን። እንታይ ከይረገጣ ዝተረፈቶ ጩራ ብርሃን ኣልያ ኰይና ኢያ ዕድላት ኣሎ ክብለና ዝፍትን ዘሎ። እዛ ምስ ቀዳማይ ሚንስተር ኢትዮጵያ ኣብዪ ኣሕመድን ምስ ብስዑዲ ዓረብ ዝምራሕ ልፍንትን ገይረያ ኢሉ ዝዛረበላ ዘሎ ምሕዝነት እንተዀይና፡ ሰላምን ልምዓትን ንምምጻእ ዘይኰነስ ንህውሓት ንምቕርቃርን ንልዑላውነት ኤርትራ ኣብ ዋጋ ዕዳጋ ብምእታው ጐብለልን ናይ’ቲ ከባቢ ንምዃን እንተዘይኰይኑ ካልእ ዝርአ ወይ ዝጭበጥ ዕላማ ኣይርኣናላን። ቅድሚ ሕጂ እውን ንኤርትራ ዝሓወሰት ኢትዮጵያ ክመርሕ ስለዝደለየ ኢዩ ንክልቲኡ ኣህዛብ ኣብ ውግእ ዝነቖተን ፍልልይ ምስ ወያነ ዝተኸስተን።

ኣብ ህልው ኵነታት ኤርትራን ኣብ ምዕባለታት ከባቢናን፤ ከምኡ’ውን ኣብ ዕድላትን ብድሆታትን መደባት ስራሕ 2020 ብዝብል ኣርእስቲ፡ ሓጐስ ገብረሂወት (ክሻ)፡ ዑስማን ሳልሕ፡ ኣልኣሚን መሓመድ ስዒድ፡ ኣብርሃ ክሳን ወለንኪኤል ኣብርሃን ዝርከብዎ ዝለዓለ  ተላኣኣኺ ጕጅለ ኢሳያስ፡ ምስ ላዕለዎት ኣዘዝቲ ሰራዊትን ላዕለዎት መራሕቲ ማሕበራትን ትካላትን ዘካድዎ ዘለዉ ሰሚናራት፡ ነቲ ምስ ዶር ኣብዪ ኣሕመድ ዝተበጽሐ ዘይንጹር ውዕላትን ስዒቡ ኣብ ዝተገብረ ብጽሖታት ክልቲኦም መራሕቲ ናብ ክልቲአን ሃገራት፡ ካብ መራሕ ሃገር ዘይትጽበዮ ኢሳያስ ዘስምዖ ናይ ጥልመት መደረ ንምክሕሓስን ንሱ ዘስዓቦ ህዝባዊ ቁጠዐን ንምዝሓልን ዝዓለመ ኢዩ። ስለ’ዚ ከኣ’ዮም ንመንእሰያትና ብሓድሽ ተክኖሎጂ ኣዕጢቕና ኣንጻር እዞም ኣዕነውቲ ሶሽያል ሚድያ ከነዋፍሮም ኣሎና ክብሉ ዝተሰምዑ።

እቲ ተወሲኹ ተባሂሉ ዝተዘርበሉ ደሞዝ ከኣ፡ ብመሰረት ኣብ 2016 ዝተገብረ ናይ ደሞዝ ምምሕያሽ እሞ ኣብ 2018 ኣብ ግብሪ ዝውዓለ ዝብሃል፡ እቲ ዝተሓተ ደሞዝ 1800 ናቕፋ ክኸውን ተወሲኑ ክነሱስ፡ ገለ ግን 500 ናቕፋ ይውሃቦም ምንባሩ’ዩ ኢሳያስ ጠቒሱ። ነዚ ድማ ንሱ ከምዘይፈልጦ ዝነበረ ኰይኑ ቀሪቡ። እቶም ነዚ ዝገበሩ ታሕተዎት ሰበ-ስልጣን ምንባሮም ኣሚቱ ወይ ምስ ናይ ቀረባ መራሕቶም ኣባኢሱ፡ ሕጂ ናይ ክልተ ዓመት በብ1300 ንወርሒ ተሓሲቡ ክኽፈሎም ከምዝወሰነ ገሊጹ። እዚ’ዩ ተወሲኹ ተባሂሉ ክግለጽ ዝሰማዕናዮ። ካልእ ዝሰማዕናዮ ወሰኽ ኣይነበረን። ነቶም ኣብ 2020 ክጅመር ተባሂሉ ተታሒዙ ዘሎ መደብ ስራሕ ኢሎም ሕቶኦም ከቕርብሉ ዝፈተኑ ጋዜጠኛታት ክግስጽ ከሎ ድማ፡ ኣብ 2020 ዘይኰነስ ኣብ 2021 ኢዩ ዝጅምር ክብል ተሰሚዑ። ብሓጺሩ ኣብ 2020 ዝዀነ ይኹን ክግበር ዝተመደበ ምምሕያሽ የለን። ን2021 እንተዀይኑ ድኣ ሽዑ እታ ርሕቕቲ ትመስል ዓመት ምስ መጸት  ዘይመርከብናሉ። ካብ ንዓመታ ደርሆስ፡ ሎምዘበን እንቋቍሖ’ዶ ኣይምሓሸን።

ርእሰ ዓንቀጽ ሰዲህኤ

“ጕባኤና ሓይልታት ምክልኻል ኤርትራ ኣካል ጭቁን ህዝቢ ምዃኑ ገምጊሙ። እቲ ዝበዝሐ ንሃገሩ ራሕሪሑ ንስደት ዘምርሕ ዘሎ ኤርትራዊ ካብ’ዚ ትካል’ዚ ዘምለጠ ምዃኑ ድማ መርኣያ ናይ’ዚ ሓቂ’ዚ ኢዩ። ስለዚ ረብሓኡ ምስ ለውጢ እምበር ምስ ጭቆና ከምዘይኮነ ብምግንዛብ፡ ንህዝቡን ንነብሱን ካብ’ዚ ኣሰቃቒ መነባብሮ ንምንጋፍ ኣብ ጐድኒ ህዝቡ ደው ኢሉ ንምልካዊ ስርዓት ህግዲፍ ከወግድ ጸዊዑ።”  (ካብ ፖለቲካዊ ውሳነታት 3ይን ሓድነታውን ጉባአ፡ ሰዲህኤ)

ሎሚ ኣብ ኤርትራ ዘሎ ኣርዑት ሓጺን ህግዲፍ ኣብ ልዕሊ ኩልና ኤርትራውያን ዝተጻዕነ እዩ። ነዚ ኣርዑት ሓጺን ብቃልሲ ሴርካ ናጻ ናይ ምውጻእ ሓላፍነት እውን ናይ ኩልና ዕማም እምበር፡ ሓደ ተዕዛባይ ኮይኑ ናይቲ ካልእ ጻዕሪ ዝጽበየሉ መስርሕ ኣይኮነን። እዚ ንምዝኽኻር ዝጥቀስ እምበር ነቲ ሓቢሩ ብተመኩሮ ጽንኩር ቃልሲ ፈሊሑ ዝገረረ ህዝቢ ኤርትራ ከም ሓድሽ ዝንገሮ ኣይኮነን።

እዚ ክበሃል እንከሎ ግና ብዝተፈላለዩ ምኽንያታት ብጽሒታትና ኣብ ምዕዋትዚ ተተሓሒዝናዮ ዘለና ቃልሲ ብመልክዕ ክፈላለ ይኽእል። ብኣተሃላልዋና ኣብ ውሽጢ ኤርትራን ዘለናን ኣብ ወጻኢ እንነብርን፡ ብዕድመና መንእሰያትን ዓበይትን፡ ብጾታ ደቂ ኣንስትዮን ደቂ ተባዕትዮን፡ ብዝተዋፈርናሉ ዕማምን ክእለትን ኣባል ሰራዊትን ሲቪልን ካልእ ከምኡ ዝኣመሰለ ክንበሃል እንከለና፡ መን ኣበየናይን ብኸመይን የድምዕ ብመልክዕ ክፈላለ ከም ዝኽእል ርዱእ እዩ። ናይ ኩልና ናይ ቃልሲ ኣበርክቶ ግና ሸቶኡ ሓደ ወጻዕትን ናይ ወጽዓ ኣተሓሳስባን ኣወጊድካ ኣብ ራህዋ ንምብጻሕ ናብ ሓደ ናይ ዓወት ፈለግ ዝፈስስ እዩ።

ጉጅለ ህግዲፍ: ኣብዚ እዋንዚ ህዝቢ ኤርትራ ወጽዓኡ ፍጊዕ ኢልዎ፡ ኣብቲ ዝለዓለ ደረጃ ምብጽሑ ተረዲኡ፡ ብፍርሒ ተዋሒጡ መህደሚ ከናዲ ሃንደፍደፍ ይብል ከምዘሎ ንዕዘቦ ኣለና። እዚ ህግዲፍ ፈትዩ ዝኣተዎ ዘሎ ናይ ድሮ ውድቀቱ ምዕራፍ ዘይኮነ፡ ውጽኢት ቃልሲ ህዝቢ ኤርትራን  ናይ ለውጢ ፖለቲካዊ ሓይልታቱን እዩ። ኣብዚ ቀረባ መዓልታት ዝተኻየደ ናይ ላዕለዎት መራሕቲ ህግዲፍ ናይ ኣኼባ ሸበድበድ ተዓዚብናዮ ኣለና። ካብ ዕላማታት ናይዚ ኣኼባታት ነቲ ዓለም ብዓለማ ብዛዕባ ኤርትራ  ኣብ ዝተፈላለዩ መድረኻት ክትዛረብ እንከላ፡ “ዋላኳ ምስ ኢትዮጵያ ሓድሽ ናይ ሰላም ዝመስል ኣንፈት እንተተኸፍተ፡ እቲ ነዚ ተኸቲሉ ኣብ ኤርትራ ክመጽእ ትጽቢት ዝተገብረሉ ለውጢ ግና ፈጺሙ ኣይተራእየን” ትብሎ ዘሎ እንዳሓደረ ዘጨንቖን ዝውጥሮን ዘሎ ቅኑዕ ገምጋም ንምኽዋል ይመስል። ካብዚ ሓሊፉ እቲ ህዝቢ ኤርትራ “ሎምስ ግዲ ኣብ ልኡላዊት ኤርትራ ራህዋ፡ ሰላምን ምኽባር ሰብኣውን ዲሞክራስያውን መሰል እንዳተጸበና ነታ ህይወት ብዙሓት ጀጋኑ ዝተኸፍላ ሃገር እውን ከጥፍእዋ እዮም” ብዝብል ዝገልጾ ዘሎ ረዚን ስኽፍታ ናይ ምሕባእ ዕላማ ዘለዎ ምዃኑ እውን ምግማቱ ዘጸግም ኣይኮነን።

ጉጅለ ህግዲፍ ካልእ ምርጫ ስለ ዘየብሉ ከምዚ ዓይነት ኣተሓባባእ ክጻወት እንተፈተነ ዘተዓዛዝብ እምበር ዘገርም ኣይኮነን። እንተ ህዝቢ ኤርትራ ሎሚ እውን በዚ መደንዘዚ ተግባራት ህግዲፍ ክጥበር  እሞ ካብዚ ዘለዎ ናይ ቃልሲ መስርሕ ንድሕሪት ተመሊሱ መዕንደሪ ወጽዓ ናይቲ ጉጅለ ክኸውን ማለት ዘበት እዩ። ነቲ  ሓዊ ናይ ምጥፋእ ኣኼባታት ዝውሃቦ ዘሎ ገብረ መልሲ  እውን ነዚ ዘመልክት እምበር ከምቲ ህግዲፍ ክኾነሉ ዝሓሰቦ ኣይኮነን።  

ኣብ ከምዚ ሎሚ ሃገርናን ህዝብናን ዝሓልፍዎ ዘለዉ ኩነታትን ናይ ጉጅለ ህግዲፍ ዳምዳምን፡ ኩልና ኣበርክቶና ኣብ ቃልሲ ከነሕይልን ኣብ ተዳሎ ክንከውንን ናይ ግድን እዩ። ዝያዳ ኩሉ ከኣ ሰራዊት ኤርትራ፡ ዝያዳ እቲ ካልእ ሕብረተሰብ ኤርትራ፡ ብወጽዓ ህግዲፍ ዝተበደለን ኩሉ ዕድላቱ ዘጥፈአን ብምዃኑ፡ ካብዚ ሓሊፉ ዝተወደበ፡ ተራኺብካ ብጉዳይ ህዝቢ ናይ ምልዛብ ዝያዳ ዕድል ዘለዎን ናይ ምግዳድ ዓቕሚ ዘለዎ ዕጥቂ ዝውንን ስለ ዝኾነ፡ ሓላፍነቱ ከም ዝዛይድ ይዝንገዖ እዩ ዝብል ሻቕሎትኳ እንተዘየብልና ከምቲ “ኣብ ልዕሊ ልብኻ እንተዝምዕዱኻ፡ ኣብ ርእሲቲ ዘለካ እንተዝውስኹኻ” ዝበሃል ከነዘኻኽሮ ኣድላይ እዩ።

ስለዚ ድማ እዩ 3ይን ሓድነታውን ጉባአ ሰልፊ ዲሞክራሲ ህዝቢ ኤርትራ (ሰዲህኤ) ኣብ ፖለቲካዊ ውሳነታቱ፡ “ጕባኤና ሓይልታት ምክልኻል ኤርትራ ኣካል ጭቁን ህዝቢ ምዃኑ ገምጊሙ። እቲ ዝበዝሐ ንሃገሩ ራሕሪሑ ንስደት ዘምርሕ ዘሎ ኤርትራዊ ካብ’ዚ ትካል’ዚ ዘምለጠ ምዃኑ ድማ መርኣያ ናይ’ዚ ሓቂ’ዚ ኢዩ። ስለዚ ረብሓኡ ምስ ለውጢ እምበር ምስ ጭቆና ከምዘይኮነ ብምግንዛብ፡ ንህዝቡን ንነብሱን ካብ’ዚ ኣሰቃቒ መነባብሮ ንምንጋፍ ኣብ ጐድኒ ህዝቡ ደው ኢሉ ንምልካዊ ስርዓት ህግዲፍ ከወግድ ጸዊዑ።”  ዝብል ቁምነገር ዘስፈረ።

 ኣብዚ ወሳኒ እዋን ሰራዊት ኤርትራ ንህዝቡ “ኣነ ኣብ ጐነኻ ኣለኹ” ክብሎ እምበር፡ “እንታይ ኢና እሞ እንገብሮ፡ እዚ ሰብኣይ እንታይ እዩ ዝገብር ዘሎ” እንዳበለ ከዕዘምዝም  ኣየምሕረሉን እዩ። ምናልባት ስቓዩን ስቓይ ህዝቡን ዘንጊዑን ሰሓብ በቒሊ ላዕለዎት ኣዘዝቲ ዝኸውን እንተልዩ እሞ ከኣ መሬት ምስ ወገሓ ጣዕሳኡ ኣይክወጸሉን እዩ።

ጉጅለ ህግዲፍ ዘርእዮ ዘሎ ዕግርግርን ኣብ ዘዘይምልከተካ ጉዳያት ጨብረቕረቕን ናይ ሓያልነቱ መርኣያ ዘይኮነ ናይ ዓቕሊ ጽበቱ ምልክት ምዃኑ ክዝንጋዕ የብሉን። ኣብ ከምዚ ኩነታት ከኣ ምስቲ ሓደ እንዳተመሓዘወ ምስቲ ካልእ እንዳ ተፋትሐ፡ ከብቲ ዓቕሉ ኣጽቢብሉ ዘሎ ቀንዲ ኤርትራዊ ዛዕባ ንምህዳም፡ ሎሚ እውን ከም ኣመሉ ናይ ህዝቢ ኤርትራ ቀዳምነት ዘይኮነ ህውከትን ዕግርግርን ካብ ምጽሕታር ድሕር ከምዘይብል ካብ ተመኩሮና ክንመሃሮ ዝግበኣና እዩ። ናይዚ ዘይቅዱስ ማእለማ ቀዳማይ ግዳይ ከኣ ሰራዊት ኤርትራ እዩ ክኸውን። ስለዚ ሰራዊት ኤርትራ መዕገሲ ወልፊ ውግን ህውከትን ህግዲፍ ቅድሚ ምዃኑ፡ ብንጹር “ኣነ ምስ ህዝበይ እየ” ዝብል መርገጹ ከነጽር ይጥለብ ኣሎ። እዚ ድምጺ ሰራዊት ኣብ ዝስመዓሉ፡ እቲ ወሳኒ ሓይሊ ህዝቢ ኣብ ጐኑ ከም ዝስለፍ  ክተኣማመን ይግበኦ። ናይ ሰራዊት ኤርትራ ርእዩ ከምዘይረኣየ ምጽቃጥ ግና፡ ንሃገርናን ህዝብናን ካብዚ ዘለዉዎ ናብ ዝኸፈአ’ውን ክወስድ ከም ዝኽእል  ምስትብሃል ኣገዳስን እዋናውን እዩ።

ርእሰ-ዓንቀጽ ሰዲህኤ

ስደት ኤርትራውያን ነዊሕ ዕድመ ዘለዎን ብብዙሕ ውረድ ደይብ ዝሓልፍ ዘሎን እዩ። ቀንዲ ጠንቂ ስደት ኤርትራውያን ኣብ ገዛእ ሃገሮም ዘይቅሱንን ደፋእን ሃለዋት ምፍጣሩ እዩ። እቲ ቅድም ናይቲ ዘይቅሱን ክትስደድ ዝደፍእ ሃለዋት ጠንቂ መግዛእቲ ኢትዮጵያ እዩ ነይሩ። እቲ ድሕሪ መግዛእቲ ኣብ ኤርትራ ምውጋዱ ስልጣን ዝሓዘ እሞ ንብዓት ስደተኛታት ክሕብስ እምነት ዝተነብረሉ ጉጅለ፡ ዝያዳ ስደተኛታት ክፍጠሩ ጠንቂ ምዃኑ ከኣ ንተመኩሮ ስደት ኣብ ኤርትራ ፍሉይ ይገብሮ።

ኣብ ግዜ መግዛእትን ድሕሪ መግዛእትን ዝተሰደ ኤርትራዊ ብብዝሒ ኮነ፡ ብኣድማዕነት ኣብ ጉዳይ ቀጻልነት ሃገር ከነወዳድር እንከለና፡ እቲ ናይ ድሕሪ ናጽነት ስደተኛ፡ ዝበዝሐ እሞ ድማ ብመንእሰይ ዝተዓብለለ፡ ብርሰት ከየስዕብ ዘስግእ ምዃኑን ብሩህ እዩ። ኤርትራዊ መንገዲ ስደት ክሓስብ እንከሎ ኣብ ግምት ዘእትዎ፡ ቀዳማይ ብቐሊሉ ካብ ኤርትራ ዝወጸሉ ኣቕጣጫ እዩ። ካለኣይ ከኣ ድሕሪ ምውጻኡ ኣርሒቑ ዝስደደሉ መንገዲ ምጥጣሕ ምዃኑ ምግንዛብ ይከኣል። በመንጽር እዚ ዝበዝሐ ኤርትራዊ በመንገዲ ሱዳንን ኢትዮጵያን ከም ዝስደድ ክንዕዘብ ጸኒሕና። እቶም ናብ ክልቲኡ ኣቕጣጫ ዝስደዱ ከነወዳድር እንከላና ከኣ ዋላኳ ካብ ኢትዮጵያ ተመሊሶም ናብ ሱዳን ዘምርሑ እንተለዉ፣  እቶም ብመንገዲ ኢትዮጵያ ዝስደዱ ከም ዝበዝሑ ይግመት።

ኤርትራውያን ስደተኛታት ኣብ መደበር ስደተኛታት ኢትዮጵያ ኣብ ዝነብርሉ ግዜ፡ ብዘይካቲ ኣብቲ መደበር  ዝግበር ናይ መጽለሊ፡ ሕክምና፡ ታሕተዋይ ደርጃ ትምህርትን ምውሓስ ድሕንነቱን ኣገልግሎታት፡ ኣብ ዓዱ ብሰንኪ እኩይ ተግባራት ህግዲፍ፡ ዝተሓረሞ ናይ ደረጃ  ዩኒቨርሲት ናይ ትምህርቲ ዕድል ኣብ ክልል ትግራይ ክረክብ ምጽንሑ ናይ ትማሊ ተዘክሮና እዩ። ሰልፊ ዲሞክራሲ ህዝቢ ኤርትራ፡ ስለቲ ምስ ኤርትራዊ ስደተኛ ዘርእይዎ ዝነበሩ ምትሕብባር፡ ብሓፈሻ ንህዝብን መንግስትን ኢትዮጵያ ብፍላይ ከኣ ንህዝብን መንግስትን ክልል ትግራይ፡ በግዜኡ ከመስግን ጸኒሑ እዩ። እዚ ከኣ ታራ ምምስጋን ዘይኮነ፡ ኣብቲ ናይዚ ቀረባ ግዜ 3ይን ሓድነታውን ጉባአኡ ውሳነታት ንጉዳይ ኤርትራውያን ስደተኛታት ከም ዓብይ ውራይ ሒዙ “ሰዲህኤ ንሕሰም ህዝብና ተረዲኦምን ካብ ሰብኣዊ ርህራሄ ተበጊሶምን ዓቕሞም ብዘፍቅዶ መጠን ንኤርትራውያን ስደተኛታት ዝቕበሉን ዝናብዩን ዘለዉ ኣህዛብን መንግስታትን ሱዳንን ኢትዮጵያን ብዝገበርዎ ኣቐባብላ ኣድናቖቱ ይገልጽ። ነተን ብዙሕ ኤርትራዊ ስደተኛ ዝተቐበላ ክልላት ትግራይን ዓፋርን ድማ ፍሉይ ምስጋናኡ የቕርብ። እዚ ሎሚ እዘን ክልተ ክልላት ንህዝብና ኣብ ግዜ ጸገሙ ዘርእይኦ ዘለዋ ሕውነታዊ ኣተሓሕዛ ናይ ጽባሕ ኤርትራ ምስዘን ጎረባብታ ንዝህልዋ ጽቡቕ ዝምድና መሰረት ዘቐምጥ ስለዝኾነ ክተባባዕ ዝግብኦ ሰብኣዊ ውርሻ ምዃኑ ጉባኤ ኣረጋጊጹ።” ዝበሎ ምስትብሃል ይከኣል።

ቅድሚ 18 ኣዋርሕ ኣብ መንጎ ኤርትራን ኢትዮጵያን፡ ኣብ መራሕተን ጥራይ ዝተሓጽረ፡ ዘይግሉጽ ስምምዕን ወዛሕዛን ከም ዝተገብረን ብዙሓት ኣብቲ ስምምዕ ከባብያዊ ረብሓ ዘለወን መንግስታት ከም ዝደገፈኦን ንዝክር። መንግስቲ ኤርትራ ካብዚ ዘይቅዱስን ዘይግሉጽን ስምምዕ ኢሳያስ ኣፈወርቅን ኣብይ ኣሕመድን፡ ከም መቐጸልታ እቲ ብሰንኩ ዓዶም ንዝለቐቑ ኤርትራውያን ደድሕሪኦም እንዳሰዓብካ ናይ ምስቓዮም ባህሪኡ፡ ጉዳይ እቶም “ተኲስካ ቅተል” ፖሊሲኡ ስዒሮም ካልእ መተካእታ ስለ ዘይረኸቡ፡ ኣብ ኢትዮጵያ ዘለዉ ኤርትራውያን ስደተኛታት፡ ነኺስዎ ዘሎ ኣጀንዳ ምዃኑ ሎምስ ብሩህ ምልክታት ከረኢ ጀሚሩ ኣሎ። ኣብዚ ቀረባ እዋን ብተዘዋዋሪ መንገዲ፡ ኣብ ኢትዮጵያ ዘለዉ ሰራሕተኛታት ላዕለዋይ ኮሚሽን ጉዳይ ስደተኛታት፡ ነቲ ሃገሮም ቅድሚ ሕጂ ዝፈረመቶ ስምምዓት ጓዕጺጾም፡ “ንስኻ ስደት ይግበኣካ እዩ፡ ንስኻ ግና ስደት ኣይግበኣካን እዩ” ክብሉ ከም ዝተደናደኑ ክንዕዘብ ጸኒሕና። እንተኾነ ንጉዳይ ስደት በቲ ቀንዲ መሰረቱ ዘይኮነ ኣተሓሕዛ ክትዓግቶ ኣይተኻእለን። ሎሚ እውን እነሆ ብዘይኣፍልጦን ተቐባልነትን እቶም ኣብ ኣብ መደበራት ዘለዉ ስደተኛታት፡ ኣብ ትግራይ ካብ ዝርከባ መደበር ስደተኛታት ነታ ካብ እትኽፈት 7 ዓመታት ዘሕለፈት ካብ ከተማ ሽረ ንወገን ምዕራብ እትርከብ መደበር ሕንጻጽ ናይ ምዕጻው ሰላሕታዊ ወስታታት ንዕዘብ ኣለና።

ድሕረ-ባይታ መዛግብቲ ኢትዮጵያ ከም ዝሕብሮ፡ ኢትዮጵያ ንስደተኛታት ማዕጾኣ ከፊታ ናይ ምቕባልን መሰል ስደተኛታት ናይ ምሕላውን ነዊሕ ታሪኽ ዘለዋ ሃገር እያ። ብ2004፡ ነቲ ብ1951ን ብ1967ን ዝፈረመቶ ዓለምለኻዊ ፕሮቶኮል ስደተኛታትን ናይ 1969 ስምምዕ ሕብረት ኣፍሪቃ ኣብ ጉዳይ ስደተኛታትን ኣብ ግምት ኣእትያ ኣተሓሕዛኣ ዝያዳ ከተማዕብል ዝወሰነት ሃገር እያ። በዚ መሰረት ናይ 29 ለካቲት 2020 ዝተሓደሰ ጸብጻብ ላዕለዋይ ኮሚሽን ጉዳይ ስደተኛታት፡ ኣብ ኢትዮጵያ 748,448 ናይ 29 ሃገራት ስደተኛታታት ኣዕቊባ ከም ዘላ  ይሕብር። ካብዚኣቶም ኤርትራውያን 22% ይሕዙ። ስለዚ መንግስቲ ኢትዮጵያ ነዚ ምስጉን ድሕረባይታኡ ጓዕጺጹ፡ ነቲ ሓላፋይ ጉጅለ ኢሳያስ ከሕጉስ ክብል፡ ዓለም ለኻዊ ውዕል ጥሒሱ ምስቲ ዘይሓልፍ ህዝቢ ኤርትራን ስደተኛኡን ከይቀያየም በዚ ኣጋጣሚ ከነዘኻኽሮ ንፈቱ። ብኣንጻሩ ነቲ መሻርኽቱ ኮይኑ ዘሎ ጉጀለ ህግዲፍ፡ ናይቲ ሕጂ ዝፈርሖ ዘሎ ስደት ጠንቂ ባዕሉ ምዃኑን እቲ ጉዳይ ኣብ ኢትዮጵያ ዘለዉ መደበራት ብምዕጻው ዘይኮነ ነቲ ኣብ ኤርትራ ዘሎ ደፋኢ ምምሕዳር ብምውጋድ ጥራይ ከም ዝዕረን ምኽሩ እንተዝልግሰሉ  ኣዝዩ መምሓረሉ። ከምዚ ምባል ሓርቢትዎ ምስ ህግዲፍ ኮይኑ ነቲ ስደተኛ ክዘርዮ ግና ዓገብ ዘብል እዩ።

ሰልፊ ዲሞክራሲ ህዝቢ ኤርትራ (ሰዲህኤ)፡ ስደት ግዝያዊ እምበር መሰረታዊ መፍትሒ እዩ ኢሉ ኣይኣምንን። ኤርትራውያን ስደተኛታት፡ ኣብ ዘለዎዉ ይሃልዉ ነቲ ቀንዲ ጠንቂ ስደቶም ዝኾነ ኣብ ሃገርና ዘሎ ወጽዓ  ንምውጋድ ኣብ ዝካየድ ዘሎ ቃልሲ ክሳተፉ ከኣ  ብቐጻሊ ይጽውዕን የተባብዕን። በቲ ካልእ ወገን ከኣ ኤርትራውያን ስደተኛታት ክሳብ ብቓልሶም ንጠንቂ ስደት ስዒሮም ናብ ሃገሮም ዝምለሱ፡ ኢትዮጵያ ኮነ ካለኦት ዘዕቆበኦም ሃገራት፡ መሰሎም ከኽብራን ብዋጋኦም ምስ ጉጅለ ህግዲፍ ከይጣልዓን ካብ ምዝኽኻረን ዓዲ ኣይወዐለን ንመጻኢ እውን ዝቕጽለሉ እዩ። እቲ ሓሓሊፉ ከጋጥም ዝጸንሐ ሕጽረታት ገዲፍካ፡ ንልግስን ኣቀባብላ ኤርትራዊ ጋሻን  ክልላዊ መንግስትን ህዝብን ትግራይ እንዳነኣደ፡ መንግስቲ ኢትዮጵያ እውን ብዋጋ ኤርትራዊ ስደተኛ መሳርሒ ጉጅለ  ህግዲፍ ከይከውን ይምሕጸን።

ርእሰ-ዓንቀጽ ሰዲህኤ

8 መጋቢት ዓለም ለኸ መዓልቲ ደቂ ኣንስትዮ ኣብ እንዝከረሉ ቅነ ንርከብ ኣለና። ኣብ ኣመዓባብላ እዛ ዕለት ኣብ 1908 ኣብ ሕቡራት መንግስታት ኣሜሪካ ጾታዊ ወጽዓ ብዘንቀሎ ምልዕዓል ኣስታት 15 ሺሕ ደቂ ኣንስትዮ  ዝተሳተፋሉ ናይ ተቓውሞ ሰልፊ ከም ዝተኻየደን ቀንዲ ሕቶአን፡ ማዕረ ክፍሊትን መሰል ምድማጽ ኣብ ግዜ ምርጫን ከም ዝነበረ መዛግብቲ ታሪኽ ይሕብር። ነዚ ስዒቡ መዓልቲ ደቂ ኣንስትዮ ብ28 ለካቲት 1909 ኣብ ሕቡራት መንግስታት ኣሜሪካ ክትክበር ጀሚራ። ድሕሪዚ ብ1910 ኣብ ከተማ ኮፐንሃገን ካብ 17 ሃገራት ዝተወከላ ኣስታት 100 ደቂ ኣንስትዮ ዝተሳተፋሉ ብዛዕባ ወጽዓአን ዝዝቲ ኮንፈረንስ ኣካይደን። ብምቕጻል ብ19 መጋቢት 1911 ኣብ ሃገራት ኦስትሪያ፡ ደንማርክ፡ ጀርመንን ስዊዘርላንድን ዝያዳ ሓደ ሚልዮን ደቂ ኣንስትዮን ደቂ ተባዕትዮን ዝተሳተፍሉ ንማዕርነት ደቂ ኣንስትዮ ዝጠልብ ሰላማዊ ሰልፍታት ከም ዝተኸየደ፡ ታሪኽ ቃልሲ ደቂ ኣንስትዮ ይሕብር። እዚ ምንቅስቓስ ደቂ ኣንስቶዮ ኣብ 1913-14 ቀዳማይ ውግእ ዓለም ጠጠው ንክብል ግደ ከም ዝነበሮን፡ ድሕሪ ኣብ ዝተፈላለዩ ቦታታትን  ዝተፈላለየ ዕለታትን ክትዝከር ምጽናሕ እታ ብ1913 ዝጀመረት 8 መጋቢት ብደረጃ ዓለም ክሳብ ሎሚ ዓለም ለኸ መዓልቲ ደቂ ኣንስትዮ ኮይና ትኽበር ኣላ። ብ1975 ከኣ ንመጀመርያ ግዜ 8 መጋቢት ብደረጃ ሕቡራት ሃገራት ክትክበር ጀሚራ።

እነሆ ናይ 2020 ዓለም ለኻዊ መዓልቲ ደቂ ኣንስትዮ 8 መጋቢት ከኣ “ኣነ ናይ ማዕርነት ወለዶ እየ፡ መሰል ደቂ ኣንስትዮ ብግብሪ” ብዝብል ቴማ ትዝከር ኣላ። ደቂ ኣንስትዮ ማዕረ ክፋል ሕብረተሰብ ኣብ ልዕሊ ምዃነን፡ ጓለንስተይቲ መሰረት ሕብረተሰብ ስለ ዝኾነት ናታ ዓወት ናይ መላእ ሕብረተሰብ ዓወት እዩ። “ጓለንስተይቲ ምስትምሃር ሕብረተሰብ ምስትምሃር እዩ” ዝበሃል እውን ወሳኒ ግደ ጓለንስተይቲ ንምርጓድ እዩ። እዚ ተሳትፎን ተጠቃምነትን ደቂ ኣንስትዮ ብጭረሖ ጥራይ ዘይኮነ፡ ብግብራዊ ቃልሰን ከም ዝረጋገጽ ተመኩሮና ዝምህረና እዩ። እቲ ምእንቲ ማዕርነት ደቂ ኣንስትዮ ዝግበር ቃልሲ እንተላይ ብተሳትፎ መላእ ሕብረተሰብ እምበር፡ ብናተን ኣበርክቶን ጻዕርን ጥራይ ክረጋገጽ ከምዘይክእል ካልእ ካብ ተመኩሮ ዘረጋግጽናዮ ሓቂ እዩ።

ኣብ ኩነታት ኤርትራውያን ደቂ ኣንስትዮ ክንመጽእ እንከለና፡ ብሓፈሻ ኣብ ኩሉ ህይወት፡ ብፍላይ ከኣ ኣብቲ ምእንቲ ናጽነት ኤርትራ ዝተኻየደ እሞ ተሳትፎአን ክሳብ 30% ዝበጽሕ ዝነበረ  ነዊሕን መሪርን ቃልሲ ንኹሉ ጸገማት ክኢለን፡ ንካለኦት ደቂ ኣንስትዮ’ውን ናይ ጽንዓትን ትብዓትን ኣብነት ከም ዝኾና ምስኩር እዩ። ነዚ ኩነታት ኣብ ድሕሪ ናጽነት ኤርትራ ክንመዝኖ እንከለና ግና፡ ናብ ካልእ ጫፍ ከይዱ እተን ዝያዳ ዝተበደላ፡ ምስ ተሳትፎአን ኣብ ቃልሲ ዘይመጣጠን መነባብሮ ዘሕልፋን፡ ክንድቲ ኣበርክቶአን ኣብ መሪሕነታዊ ቦታታት ክሳተፋ ዕድል ዘይረኸባን ኮይነን ኣለዋ። ኣብ እዋን ቃልሲ ከመይ ከም ዝዋግኣ እምበር ብኸመይ ኣግእዞ ደቂ ኣንስትዮ የረጋግጻ ክመሃራ ዕድል ከምዘይኣይረኸባ ከኣ ናይ ድሕሪ ናጽነት ኩነታተን የረድእ። መላእ ህዝቢ ኤርትራ ኣብ ትሕቲ መሪር ወጽዓ ህግደፍ ኣብ ዝሃለወሉ፡ ደቂ ኣንስትዮ በይነን  ከምዘይርህወን’ኳ ፍሉጥ እንተኾነ፡ ተፈጥሮኣዊ ናይ ኣደነት ትዕድልተን ተወሲኽዎ፡ ናታተን ወጽዓ ዝመረረ ከም ዝኾነ ብዙሕ ኣብነታት ኣሰኒኻ ምርግጋጹ ዝከኣል እዩ።

8 መጋቢት ደቂ ኣንስትዮ ዝሓለፈ ወጽዓአን ንከይርሳዕ ዝዝክራላ እምበር፡ ዝሓለፈ ወጽዓአን ምዝርዛር ከም ቀንዲ ኣጀንዳአን ዝወስዳላ ዕለት ክትከውን ኣይግበኣን። ብኣንጻሩ ናይ ዝሓለፈ እሱራት ከይኮና መጻኢ ናብ ብሩህ ማዕረ ተሳተፍነትን ተጠቃምነትን ዝመርሕ መንገዲ ዘማዕድዋላ እያ ክትከውን ዝግበኣ። ብጽሒት ደቂ ተባዕትዮ ኣብ ቃልሲ ምእንቲ ማዕርነት ደቂ ኣንስትዮ ኣነኣኢስካ ዝረአ’ኳ እንተዘይኮነ፡ እቲ ወሳኒ ግደ ናይ ደቂ ኣንስትዮ እዩ።

ኣብ ኤርትራዊ ደንበ ተቓውሞና፡ ተሳትፎ ደቂ ኣንስትዮ ከምቲ ዝድለ ዘይምጽንሑ ከም ቀንዲ ኣሻቓሊ ካብ ዝውሰድ ነዊሕ ግዜ ኮይኑ። ነዚ ሻቕሎትዚ ንምፍዋስ ከኣ ዝተፈላለዩ ወገናት ከም ቀንዲ ዕማሞም ወሲዶም ንምፍትሑ ይቃለሱ  ኣለዉ። ብመንጽር እዚ ሰልፊ ዲሞክራሲ ህዝቢ ኤርትራ (ሰዲህኤ) ንጉዳይ ደቂ ኣንስትዮ ዝምልከት ነብሱ ዝኸኣለ ቤት ጽሕፈት ፈጻሚ ሽማግለ ኣብ ርእሲ ምቛሙ፡ ኣብ ፖለቲካዊ መደብ ዕዮኡ ”ሰዲህኤ፡ ደቂ ኣንስትዮ ኤርትራ ልክዕ ከም እዋን ብረታዊ ቃልሲ፡ ጉጅለ ህግዲፍ ንምውጋድ ኣብ ዘይጎነጻዊ ቃልሲ’ውን ብትግሃት ክዋስኣ ዘኽእለን ባይታ ንምጥጣሕ ክሰርሕ እዩ።” ዝብል ሓሳብ ኣስፊሩ ንረኽቦ። እንተኾነ እዚ መበገስን መርኣያ ድልዉነቱ ንማዕረ ተሳታፍነትን ተጠቃምነትን ደቂ ኣንስትዮ ዘመላኽት እምበር፡ ኣብዚ መዳይዚ ጌና ብዙሕ ቃልሲ ከም ዝጽበዮ ይኣምንን ኣብዚ ታሪኻዊ ኣጋጣሚ ቅሩብነቱ የረጋግጽን።

መዓልቲ ደቂ ኣንስትዮ ከም ዝኾነ ተርእዮ ብእዋናዊ ምዕባለ ክጽሎ ባህርያዊ እዩ። በምንጽር’ዚ ኤርትራውያን ደቂ ኣንስትዮ ኣብዚ ዓመትዚ ከቃልሕኦ ዝግበአን፡  በቲ ሓደ ወገን ነቲ ንልኡላውነት ሃገርናን ክብሪ ህዝብናን ኣብ ሓደጋ ከየእትዎ ዘስግእ ዘሎ ኣካይዳ ጉጅለ ህግዲፍ ዘውግዝ፡ በቲ ካልእ ወገን ድማ ከም መቐጸልታ ናይቲ ኤርትራውያን ደቂ ኣንስትዮ ኣብ ውድባተን፡ ሰልፍታተንን ማሕበራተንን ከካይደኦ ዝጸንሓ ቃልሲ፡ ብተበግሶ ኣደታት ኣብ ኤውሮጳን ብምልዕዓል ደቂ ኣንስትዮ ኣብ ዋሽንግተንን ይምዕብል ንዘሎ ተስፋ ዝህብ ምንቅስቓሳት ዘተባብዕን ዘሕይልን ክኸውን ይግበኦ።  

ኣብዚ እዋንዚ መላእ ህዝቢ ኤርትራ ብሓፈሻ ብፍላይ ድማ ደቂ ኣንስትዮ፡ ዝያዳ ዝሐለፉ ዓመታት ብጸረ ህዝቢ ተግባራትን ጥልመትን ህግደፍን መራሒኡ ዲክታቶር ኢሳይያስ ኣፈወርቅን ኣብ ኣዝዩ ዘማርረሉ ህሞት ኢና ንርከብ ዘለና። ክንድቲ መረርኡ ጭረሖ ይኣክልን ካልእ ንቕሎታትን ኣምሪሑ ኣንጻር ወጽዓ ይለዓዓል ምህላዉ ከኣ ተስፋ ዝህብ እዩ። ስለዚ ኤርትራውያን ደቂ ኣንስትዮ፡ ነዚ ኣብ ግምት ከእትወኦ ይግበአን። ደቂ ኣንስትዮ ጾታዊ ተጽዕኖ ስዒረን ማዕረ ተሳተፍትን ተጠቀምትን ንክኾና ቀንዲ መሳርሒአን ሓድነተን ምድልዳል ምዃኑ ኣሚነን፡ ኣብዚ ንርከበሉ ዘለና እዋን፡ ብሰንኪ ዘይመሰረታዊ ምኽንያታት ዝተረሓሓቐ ዓቕመን ናብ ሓደ ኣምጺአን፡ ነቲ ብሓባር ክቃለስ ዝሰርሕ ዘሎ ሓይሊ ተቓውሞ ኣውንታዊ ኣብነት ክኾነኦ ይግበአን። ብዘይካዚ ቃልሰን ብዘይተሳተፎ ደቂ ተባዕትዮ ክዕወት ከምዘይክእል ተረዲአን፡ ደቂ ተባዕትዮ መተሃላልኽተን ዘይኮኑ ተደጋገፍተን ምዃኖም ተገንዚበን ነዚ ዝብቅዐን ኣገባብን ኣተሓሳስባን ክሕዛ ከድልየን እዩ።  ኤርትራውያን ደቂ ተባዕትዮ እውን ዓወት ጓለንስተይቲ ዓወት መላእ ሕብረተሰብ ምዃኑ ተገንዚቦም ኣብ ጐነን ክስለፉ ይግበኦም። ግዜ ነዊሑ ወጽዓ ህዝብና ብኽንድኡ ደረጃ ከይመርር ከኣ፡ “ደቂ ኣንስትዮ ተንሰኣ ተሎ ……” ንብለን።

8 መጋቢት ዓለምለኸ መዓልቲ ደቂ ኣንስትዮ ንዘለኣለም ትንበር!

ዘለኣለማዊ ክብርን መጐስን ንሰማእታት ኤርትራ!

ርእሰ-ዓንቀጽ ሰዲህኤ

“ህዝቢ ብኣድማዒ ኣገባብ ክቃለስ፡ ንውጽኢት ቃልሱ'ውን ካብ ኢዱ ከይወጽእ ክቆጻጸርን ድልዱል ውደባ ከምዘድልዮ እምነት ሰዲህኤ እዩ። ብቑዕ ውደባ ዝሰኣነ ህዝባዊ ናዕቢ ዕላምኡ ብጸረ ህዝቢ ሓይልታት ክጭወ ይኽእል ኢዩ። ነዚ ድማ ኢዩ ሰደህኤ ህዝቢ ይንቃሕ፡ ይወደብ፡ ይቃለሰ፣ ንመጻኢ ዕድሉ ድማ ኣብ ትሕቲ ፍጹም ቍጽጽሩ የእትዎ፣ ዝብል ዘይዕጸፍ እምነት ዘለዎ።” (ኣብ ፖለቲካዊ መደብ ዕዮ ሰዲህኤ ካብ ዝሰፈረ ተልእኾ ሰልፊ ዝተወስደ)

ኤርትራውያን ሎሚ’ውን ኣብ ቃልሲ ኢና ዘለና። “ሎሚ እውን ኣብ ቃልሲ ኢና ዘለና” እንብል ነቲ ትማሊ ዘካየድናዮ ናይ 30 ዓመታት በሊሕ ቃልስን መስተንክራዊ ዓወትን ንዘይምዝንጋዕ እዩ። እዚ ናይ ሎሚ ቃልስና ናይቲ ናይ 30 ዓመታት ቃልሲ መቐጸልታ ምዕራፍ እምበር፡ ካብኡ ነጺልካ ዝረአ ከም ዘይኮነ ዝዝንጋዕ ኣይኮነን። ብዙሓት ናይዚ ሎሚ ነካይዶ ዘለና ረቂቕ ናይ ምውሓስ መሰረታዊ መሰል ቃልሲ ተዋሳእቲ እውን ኣብቲ ቀዳማይ ምዕራፍ ዝነበሩ ምሉእ ህይወቶም ንቃልሲ ዘውፈዩ ሰብ ኒሕን ሕድርን ሓርበኛታት እዮም።

ኣብቲ ናይ ናጽነት ቃልስና ኤርትራውያን በሃግቲ ናጽነት ኔርና። ባህግና ካልእ ኣካል ከግህደልና ከይተጸበና ከኣ፡ ከከም ዓቕምናን ኩነታት ዘፍቀደልናን ጸኒዕና ተቓሊስና። ሳላ ኢደይ ኢድካ ዝበልና ከኣ ቃልስና ብናጽነትን ልኡላውነትን ኤርትራ ሃገርና ተጸንቢሉ። ስለዚ ኢና ከኣ “ናጽነት ኤርትራ ናይ ኩልና ብኹልና እምበር፡ ከምዚ ኣብ ግዜ ህግዲፍ ዝረአ ዘሎ፡ “ናጽነት ኣምጻእን ናጽነት ተተኳብን” እንበሃሃለሉ ኣይኮነ ኢልና እንኣምን። እዚ ክበሃል እንከሎ ግና፡ ነቲ ከም እታ በላሕ ጫፍ ኲናት ዝምሰል፡ ግደ መሪሕ ውድባት ኤርትራ ብምንእኣስ ኣይኮነን። እታ በላሕ ክፋል ኲናት፡ እቲ ዝተረፈ ኣካላት ናይታ ኲናት ብሓባር እንተዘይደፊኡ ወጊኣ ከምዘይተድሚ፡ ውህደት መሪሕ ውድባትን ህዝብን ቅድም ኮነ ሎሚ ወሳኒ ምዃኑ ክዝንጋዕ ዝግበኦ ኣይኮነን።

ነዚ ሎሚ ኣብ ኤርትራ ዘሎ ዓለም ዝመስከረሉ ወጽዓ፡ ግፍዕን ግህሰትን ዝፍጽም ዘሎ ጉጅለ ኢሳያስ ንምውጋድን፡ ብራህዋ፡ ፍትሒ፡ ምዕሩይን ትካላውን ምምሕዳርን ንምትካእን ነካይዶ ዘለና ፍትሓዊ ቃልሲ ባህሪ፡ ካብቲ ብረታዊ ቃልስና ዝተኻየደሉ ግዜ ኣብ ዝተፈለየ ዓለማዊ ኩነታትን ምዕባለን፡ ዝተፈልየ ፖለቲካዊ ኣሰላልፋን ዝካየድ ዘሎ ምዃኑ እንተዘይኮይኑ፡ ክልቲኡ ማእከሉ ህዝቢ ስለ ዝኾነ መሰረታዊ ምርሕሓቕ የብሉን። ከምቲ ኤርትራውያን በሃግቲ ናጽነት ባህግና ንምግሃድ ኩልና ነናትና ጸጸር ዝደርበና እሞ ዝተዓወትና፡ ሎሚ እውን ኩልና ኢና ነዚ ዘለናዮ መዋእል ብዝምጥን ኣገባብ ኣንጻር ህግዲፍ ክንስለፍ ዝግበኣና።

ኣብ ቃልሲ ግደ ውድባት ክሳብ ክንደይ ምዃኑ ጠቒስና ኣለና። እተን ውድባት ብበሃጊት ሓርነት ዝተነድቃ እምበር ኣብቲ ሓርነት ባህጊ ብዘይብሎምን ንናይ ካለኦት ባህጊ ጥራይ ብዝቃለሱን ዝቆማ ኣይኮናን። እዚ ማለት ብዙሓት ንነናይ ገዛእ ርእሶም ሓርነት ዘካይድዎ ቃልሲ፡ ብሓባር ክውደብ እንከሎ እዩ ህዝባዊ ናይ መሰልን ሓርነትን ቃልሲ ማዕበል ዝኸውን። ኣብዚ ዝኾነ ወገን፡ ወይ ንገዛእ ርእሱ ከም ንናይ ካለኦት መሰል ፍሉይ ተሓላቒ ወይ ድማ ከም መሰሉ ዝረጋገጽ ብናቱ ኣበርክቶ ዘይኮነ፡ ብናይ ካለኦት ቃልሲ ገይሩ ዝሓስብ እንተልዩ፡ ክልቲኦም ወገናት ግጉያት እዮም። ምኽንያቱ ኩልና ናይቲ ብሰንኪ ጉጅለ ህግደፍ ዝወርድና ዘሎ በደል ግዳያት ኢና። በቲ ካልእ ወገን ካብዚ ናይ ጸልማት እዋን እንወጽእ፡ ብናይ ኩልና ቃልሲ ምዃኑ ኣነጺርና ክንርዳእ ናይ ግድን እዩ። እዚ ኣብ ዘይተነጸረሉ፡ ቃልስና ኣድማዒ፡ ውዱብን ኣሳታፍን ክኸውን ኣይክእልን እዩ።

ህዝቢ ኤርትራ ተወዲብካ ምቅላስ፡ ነቲ መሪሕ ኣካል ዝመርጾ መንገዲ፡ ክሳብ ክንደይ “መንገዲ ደሓን መጻኢ” ምዃኑ ግቡእ ምክትታል ዘይምግባር ናብ ሕማቕ መደምደምታ ከም ዝወስድ ኣብ ተመኩሮ ህግዲፍ ኣርእይዎ እዩ። ደጊም “ኣነ እየ እዚ ለውጢ ኣምጺአልካ እሞ ብምርጫኻ ዘይኮነ፡ ብምርጫይ ክመርሓካ እየ” ዝብል ካልእ ኣካል ከይመጾን ወናኒ ናይቲ ተጠኒሱ ሎሚዶ ጽባሕ ይሕረስ ዝበሃል ዘሎ ለውጢ ክኸውንን፡ ብንቕሓት ኣብዚ መስርሕ ቃልሲ ክሳተፍን ከበርክትን ይግበኦ።

እዚ ንህዝቢ ጥራይ ዝምልከት ዘይኮነ፡ ኣብ ሰልፍታት፡ ውድባት፡ ማሕበራትን ካለኦት ናይ ለውጢ መድረኻትን ተሰሊፍና ንዘለና ኤርትራውያን እውን ዝምልከት እዩ። ውዱብ ምዃን ኣብ መስርሕ ቃልሲ ነቲ መንገዲ ምሓዝ እዩ። እቲ ዝኸበደ ሓላፍነት ከኣ በዚ ዝመርጽካዮ ጉደና ቃልሲ፡ ኩሉ ካባኻ ዝድለ ግቡእን መሰልን እናተግበርካ፡ ቅድሚ ብዛዕባ ካለኦት ብዛዕባኻ እናተዛረብካን እጃምካ እንዳበርከትካን ክትጐዓዝ ምብቃዕ እዩ። ኩልና ከም እንፈልጦ ናይ ሓደ ሃገር ህዝብን መንግስትን እንታይ ክገብሩ ይግበኦም፡ እንታይከ ክገብሩ ኣይግበኦምን ዝዳኒ ናይ ውዕል ሰነድ ኣለዎም። ንሱ እቲ ኣብ ሃገርና በዂሩስ ንክህልው ንቃለሰሉ ዘለና ሕገ-መንግስቲ እዩ። ኣብ ከምዚ ንሕና ተወዲብና ኣንጻር ጉጅለ ህግዲፍ ንቃለሰሉ ዘለና መስርሕ እውን፡ እቲ ዓብይ ዕላማ ዘመልክት ፖለቲካዊ መደብ ዕዮ ኮይኑ፡ ናይ መሪሕነትን መሪሕነት፡ ህዝብን መሰላትን ሓላፍነታትን ዘነጽር ሰነዳዊ ውዕል ኣለና። ነዚ ተማእዚዝካ ብትካላዊ መንገዲ ግቡእካ ብምፍጻም ካብ ናይ ካለኦት ተጸባይ ምዃን ናጻ ምውጻእ ከኣ መባእታዊ ሓላፍነት እዩ።

ኤርትራዊ መንእሰይ ከም ዝኾነ ውዑይ ናይ ምስግጋር ሓላፍነት ዘለዎ ክፍሊ ሕብረተ-ሰብ፡ ኣብ ቅድሚኡ ከቢድ ሓላፍነት ኣለዎ። እዚ ክፍሊ ሕረተ-ሰብዚ ከም ምርጫኡ፡ ኣብቲ ኣብ መስርሕ ቃልሲ ዘሎ ውዱብ ኣካላት ተሳቲፉ ናይ ምብርባር፡ ምስግጋርን ግደኡ ክፍጽም ሓደ ምርጫ እዩ። ወይ ድማ እቲ ኣብ መስርሕ ዘሎ ውዱብ ኣካላት ዝሓዞ ኣቕጣጫ እንተዘይተሰማሚዕዎ፡ ናቱ ውደባት ክፈጥርን ኣተሓሳስባኡ ከሰጉምን ኣብ ኢዱ ዘሎ እምበር ካልእ ዝተኹበሉ ኣይኮነን። እቲ ዝምረጽ ኣገባብ ግና ካብ ዘዝመጸ ሓድሽ ትውልዲ ጀማሪ ዝኸውን፡ ኣብቲ ዝኸይድ ዘሎ መስርሕ ቃልስን ምህናጽ ሃገርን እናተዋሳእካ ናትካ ኣበርክቶ ወሲኽካ ምምዕባሉ እዩ። ማለት ኣብቲ ተነቢሩ ዘሎ ናይ ለውጢ ቃልሲ መሰረት፡ ናትካ ሕጡብ ኣብ ርእሲ ሕጡብ እንዳቐመጥካ ምብራኹ እዩ ስልጡን ኣተሓሕዛ። ነዚ ኣቐሚጥካ ንውድባት እንዳነኣኣስካ፡ ናይ ርሑቕ ተዓዛቢ ወይ ነቓፊ ጥራይ ምዃን ግና ብሓጺሩ ሓጋዚ ኣይኮነን። ኣይኮነዶ መንእሰይ ካልእ ክፍሊ ሕብረተሰብ እውን ባህጉ ብኣበርክቶኡ ከግህድ እምበር፡ ምስምስ ብምፍጣር ካብ ቃልሲ ዓዲ ክውዕል ኣይግበኦን።

ርእሰ-ዓንቀጽ ሰዲህኤ

“…ሎሚ ልዕሊ ዕስራን ሾመንተን ዓመት ድሕሪ ምርግጋጽ ሃገራዊ ናጽነት፣ ኤርትራ ሃገርና ልዑላውነታ ኣብ ሓደጋ ወዲቑ፡ ቁጠብኣ መሬት ዘቢጡ፣ ምልክታት ናይ ዝፈሸለት ሃገር ኣንጸላልዩዋ ኣብ ቃራና መንገዲ ትርከብ። እቲ ኣፍራይ ዝብሃል ሓይሊ ኤርትራ፡ ኣውራ ድማ እቲ ንቐጻልነት ሃገር ዘውሕስ ተረካቢ ሕድሪ መንእሰይ፡ ካብ ንቡር መነባብሮኡ ተፈናቒሉ እግሩ ናብ ዝመርሖ ብጅምላ ክስደድን ክበታተንን ተገዲዱ ንሓደጋታት ምድረበዳን ባሕርን ካልእ ኢሰብኣዊ ተግባራትን ይቃላዕ ኣሎ።…” (ካብ መቕድም፡ ፖለቲካዊ መደብ ዕዮ ሰዲህኤ ዝተወስደ)

ኤርትራዊ ንሃገሩ ኤርትራ በጃ ከም ዝሓልፈላ ንምግላጽ ተጽዕኖ መግዛእታዊ ሓይልታት ከይገደቦ፡ ዘሚሩላ፡ ገጢሙላ፡ ደሪሱላን ደሪፉላን። ልዕሊ ኩሉ ድማ እቲ ቅድሚኡን ድሕሪኡን ዝነበረ ብዝምድናዊ ኣገላልጻ ዘይጐነጻዊ ፖለቲካውን ዲፕሎማስያውን ቃልሲ ከም ዘለዎ ኮይኑ፡ ንሳላሳ ዓመታት ከም ሓንቲ መዓልቲ ክቡር ዓጽሙ ከስኪሱላ ሓፊስ ደሙ ኣፍሲሱላ። ናይ ዝኾነ ሃገር ዜጋ ነንሃገሩ ከም ዘፍቱን ከም ዘፍቅርንኳ ርዱእ እንተኾነ “ኤርትራውያን ፈተወቲ ሃገሮም እዮም” ዝብል ቅጽል ኣብ ቅድሚ ዘይኤርትራውያን ወገናት እውን ቅቡል እዩ። እዚ ካብ ዘብርሆ ጉዳያት ሓደ ከኣ ኤርትራ ክቡር ዋጋ ዝተኸፍለላ እምበር ከም ገጸ-በረኸት ዘይተዋህበት ምዃና እዩ። ነዚ ሎሚ ኣብ ሓደጋ ወዲቑ ዘሎ ክብሪ ናይ ምቕጻሉ ብደሆ ከኣ ኣብ ቅድሜና ዘሎ እዩ።

መግዛእቲ ተሳዒሩ ኤርትራ ብሳላ ደቃ ናጻን ልኡላዊትን ምስ ኮነት፡ ትጽቢት ኤርትራን ኤርትራውያንን፡ ናይ ቀደም ዛንታ ጅግንነት እንዳዘከርካን እንዳስተንተንካን ምንባር ኣይነበረን። ብኣንጻሩ ነቲ ዝተመዝገበ ቅያ ከም መንጠሪ ወሲድካ፡ ነቲ ኣብ ግዜ ቃልሲ ን30 ዓመታት ኣብ ኤርትራ ተኾሊፉ ዝጸንሐ ልምዓት ንምምላስ፡ ዝያዳ ጉያ፡ ኣብ መዳያት ሰላም፡ ልምዓትን ህንጸትን፡ ዲሞክራስን ምኽባር መሰረታዊ መሰላት እዩ ነይሩ ህርፋን ኤርትራውያን። ብኻልእ ኣገላልጻ ቃልሲ ዘስዓቦ ስንብራት ኣብ ክንዲ ምሕካኽን መመሊስካ ምጉዳእን ንዓኡ ምሕዋይ እዩ ነይሩ ድሌት ኤርትራውያን። እንተኾነ ብሰንኪ ናይቲ ንኤርትራዊ ጸጋታትን ህርኩት ዓቕሚ ህዝባን ኣሳንዩ ናብ ሃገር ናይ ምሕዋይን ዳግመ-ህንጻን ደረጃ ናይ ንምድያቡ ሓላፍነት ዝነበሮ ኣካል ቅሩብ ብዘይምንባሩን ክሳብ ሕጂ ዘይምዃኑን፡ እነሆ ባህጊ ኤርትራን ህዝባን በቲ ዝተጸበይዎ ኣቕጣጫ ክስጉም ኣይከኣለን። እቲ ኣዝዩ ዘሕዝን ከኣ ከምዚ ዝኾነ፡ እቲ ሎሚ ተሓቚኑ ተሓቚኑ “ህግዲፍ” ናብ ዝበሃል ዘይጥዑይ ጉጅለ ጽዕዩ ዘሎ ኣካል፡ ኣንጻር ባህጊ ሃገርናን ህዝብናን ዘቕነዐ፡ ዓቕሚ ስኢኑ ጥራይ ዘይኮነ፡ ኮነ ኢሉ ህዝቢ ናይ ምጽናትን ሃገር ናይ ምዕናውን መንገዲ ስለ ዝመረጸ እዩ።

ሎሚ ብዛዕባ ህልዊ ኩነታት ሃገርና ክለዓል እንከሎ፡ ዝኾነ ሴክተር ጠቒስካ ክትግምግም እንተጀሚርካ፡ እቲ መደምደምታ “ኣሉታዊ” ጥራይ እዩ። መዳያት ህዝባዊ ምምሕዳር፡ ሰላም፡ ቁጠባ፡ ማሕበራዊ ……. ወዘተ ኣልዒልካ ብዛዕባኡ ናይ ቀረባ ዳህሳስ እንተካየድካ፡ መደምደምታኻ ኣብ ኤርትራ “መድሃኒት የለ፡ ቤተሰብና ኣበይ ከምዝተኣስሩኳ ኣይንፈልጥን፡ ማይን መብራህትን የለን፡ ናቕፋ ተሳኢኑ፡ ዘይሰራሕናሉ ግብሪ ክፈሉ ንበሃል ኣለና፡ ቤት ትምህርቲ ፈሪሱ ኣብ ደገ ኢና እንምህር” ዝብሉ ተደሚሮም ገዚፍ “ኣሉታ” ዝሰርሑ ቃላት ኢኻ እተዋህልል።

ድሕርቲ ክጅመር እንከሎ ንብዙሓት ሓቀኛን ትካላዊ ዋና ዘለዎን ዝመስል ዝነበረ ዝምድና ኢሳያስ ኣፈወርቅን ዶ/ር ኣብይ ኣሕመድ ዓልን፡ ብፍላይ ኣብ ኢትዮጵያ ዝነብሩ ዝነበሩ ኤርትራውያን ዝጸንሖም ጽምኢ ሰላም ሃዊጽዎም፡ ብብዝሒ ናብ ኤርትራ ኣትዮም። ኣብቲ መገሻኦም እታ ሓንቲ ከም ሓሙስ “ኣውንታ” እትበሃል፡ ተፈላልዮም ዝጸንሑ ቤተሰብን ወላድን ውሉድን ምርእኣዮም እያ። እቲ ካልእ እቶም ገያሾ ምስተመልሱ፡ ብዛዕባ ኤርትራ ዘላቶ ሃለዋት ንምፍላጥ፡ በታ ክልተሻብ ትረአ ዘላ፡ ናይ ትማሊ ጻዕዳ ሎሚ ግና ጸላም ኣስመራ ምጅማር ልሙድ ስለ ዝኾነ “ኣስመራ ጻዕዳ ከመይ ኣላ?” ክትብሎም እንከለኻ፡ ብዛዕባ ጐደናታት፡ ነባራት ህንጻታታ፡ ደረጃ ህዝባዊ ኣገልግሎት ዝህባ ትካላታ፡ ዝህቡኻ መልሲ፡ ካልእ ካብኡ ዝሓሸ ቃል እንተዘይተሳኢኑ ኪኖ “ኣሉታዊ” ዝኸይድ እዩ። እቲ ኣዝዩ ዘሕዝኖም ከኣ፡ ከም ውጽኢት ናይቲ ንዝሓለፈ 10 ዓመታት፡ ስደት ብግቡእ ስለ ዘይገልጾ፡ “ፍልሰት” ክንብሎ ዝጸናሕና ኣስመራ፡ ኣይኮነንዶ ብለይቲ ብቐትሪ “ተወር” ዝብል ሰብ ዘይብላ ጽምዋ ምዃና እዮም ዝገልጽዋ።

ሰብ ኣብ ህልውናን ቀጻልነትን ንቡር ህይወት ወሳኒ ባእታ ስለ ዝኾነ፡ ሰብ የብላን ማለት ኩሉ የብላን ማለት ምዃኑ ርዱእ እዩ። ድሕሪኡ ኩነታት ገጠር ኤርትራን ናይተን ካብ ኣስመራ ዝነኣሳ ከተማታትን ዝገደደ ከም ዝኸውን ርዱእ ስለ ዝኾ፡ ኣይትሓተሉን ኢኻ። በዚ ጽምዋ ስለ ዝሰንበዱ ካብቲ ዝሓሰብዎ ግዜ ቀልጢፎም ነናብ ዝመጽዎ ዝምለሱ ገያሾ ብዙሓት እዮም። ክሳብ ጫፍ ገጠራት ከይዶም ቤተሰብ ሓቲቶም ክምለሱ መደብ ዝነበሮም በቲ ኣብ ዋና ከተማ ኣስመራ ዝረኣይዎ ኩነታት ውድቀት ተስፋ ቆሪጾም ካብ ኣስመራ ዝምለሱ ብዙሓት እዮም። ብሓፈሻ “ድሕሪ ሕጂ መገሻ ናብ ኤርትራ ይኣኽለኒ” ዝብል እምበር፡ “ናብ ኣስመራ ክመላለስ እየ” ዝብል ሳሕቲ ኢኻ እትሰምዕ። ብሓጺሩ ብሓፈሻ ኤርትራ ብፍላይ ከኣ ኣስመራ መሰታ ቀዳሞት ነይረንስ መሰታ ዳሕረዎት ኣብ ዝኾናሉ ደረጃ እየን ዘለዋ።

እዚ ኩሉ ዘርእየና፡ እምበኣር ጉጅለ ህግዲፍ ንኤርትራ ብምልእታ ኮነ፡ ንከተማ ኣስመራ፡ መንበሪ ዝጥቀመለን እምበር ዘመሓድረን ከምዘይኮነ እዩ። እዚ ከኣ ምስቲ ኩሉ ጸረ-ህዝቢ ተግባራቱ፡ ህግዲፍ ንኤርትራ ደይመደይ ኢሉ፡ ከም ዝጠለማ ዘርኢ እዩ። ኤርትራ ግና ናትና ናይ ኤርትራውያን ሃገር እምበር፡ ናይ ህግዲፍ ብሕታዊት ትካል ስለ ዘይኮነት፡ ንሕና ኣብ መስርዕ ለውጢ ተሰሊፍና ዘለና፡ ብግብሪ ዓው ኢልና “ንሕና ኣለናልኪ ኤርትራ “ ክንብላ ኣብ እንግደደሉ ወሳኒ እዋን ኢና ዘለና።