EPDP Editorial

ርእሰ-ዓንቀጽ ሰዲህኤ

ነጻ ሃገረ-ኤርትራ ብዲክታቶር ኢሳይያስ ኣፈወርቂ ክትምራሕ ምስ ጀመረት፡ ምስ የመን፡ ሱዳን፡ ጂቡትን ኢትዮጵያን ኣብ ቀጻሊ ውግእ ከም ዝኣተወት ናይ ቀረባ ግዜ ተዘክሮና እዩ። እዚ ውግኣት ተዘክሮ ጥራይ ዘይኮነ ጌና ደሙ ኣይነቐጸን። ብፍላይ ከኣ ናይቲ ምስ ኢትዮጵያ ዝተኸየደ፡ በቲ ኢሳይያስ ዝተኣመነሉ ጥራይ ካለኦት ግና ዝያዳ እዩ ዝብልዎ፡ 19 ሺሕ ኤርትራውያን መላምል ዝተቐዝፍሉ፥ ምግማቱ ዘጸግም ኤርትራዊ ንብረት ዝዓነወሉ፡ ብዙሓት ኤርትራውያን ዝተማዛበልሉ፡ ዝተሰድሉ፡ ንብረቶም ዘርሞዘርሞ ዝኾነሉንን፡ ዲሞክራስያዊ ተስፋ ኤርትራውያን ዝጸልመተሉን፡ ስለ ዝኾነ ኣይኮነንዶ ሎሚ ጽባሕ እውን ዝርሳዕ ስንብራት ኣይኮነን። ናይዚ ኩሉ ክሳራን ንድሕሪት ምምላስን ተሓታቲ ከኣ ኢሳይያስ ኣፈወርቅን ጉጅለኡን እምበር፡ ካልእ ከምዘይኮነ  ክንእመነሉ ዝግበኣና ዘየገላብጥ ሓቂ እዩ። በቲ መርዛም ስብከቱ ተሰሊብካ፡   ጉጅለ ህግዲፍ ንምድሓን ነቲ ተሓታትነት ናብ ካልእ ንኣብነት ናብ ወያነ ከተላግቦ ምፍታን ከኣ፡ ርትዓውን ፍትሓውን ኣብ ልዕሊ ዘይምዃኑ ንገዛእ ርእስኻ ምዕሻው እዩ።

“ስለምንታይ እዩ ጉጅለ ህግደፍ ናይ ሓሶት ምኽንያታት እንዳሰነዐ ምስ ኩለን ጐረባብቲ ሃገራት ሓዊ ዝኣጉድ ዝነበረ?” ናይ ዝብል ሕቶ መልሲ፡ ኣብ ኤርትራውያን ፍልልያት ከምጽእ ከም ዝጸንሐ ፍሉጥ እዩ። ህግደፍ ካብ ተሓታትነት ንምህዳም ነዚ ሕቶዚ ንምላስ፡ ክህንድሶ ዝጸንሐ ምህዞታት፡ ዶብና ስለ ዝተወረ፡ ሃይማኖታዊ ጥሩፍነት ስለ ዘልሓኹልና፡ ንኢሳይያስ ክቐትልዎ ስለ ዝሃቀኑ፡ ኣብ ውሽጣዊ ጉዳይና ስለ ዝኣተዉ ,,,,, ወዘተ ዝብሉ ምህዞታት ከም ዝነበሩ ንዝክሮ ኢና። ነቲ ኩነታት ትንፋስና ውሒጥና የማነ ጸጋም መዚና ካብ ጸቢብነት ተዓጊስና ክንመዝኖ እንከለና ግና፡ ምህዞ ህግደፍ ፍጹም መሰረት ዘየብሉ ሓሶት እዩ ነይሩ።

እቲ ሓቀኛ ናይ ህግዲፍ ፈቐድኡ ውግእ ናይ ምእጓድ ምኽንያት፡ ብዘይካ ሓቀኛ መንነቱ ኣብ ናይ ውግእ ህቦቡላ ንምሕባእን፡ ናይ ህዝቢ ኤርትራ ናይ ኣተሓሳስባ ኣቕጣጫ ካብ ውሽጢ ናብ ደገ ምቕናዕ ከኣ ካልእ ምኽንያት ነይሩ። ህግዲፍ ህዝቢ ኤርትራ “ሃገርካ ክትውረር እያ” ዝብል ደርጓዕጓዕ እንተስሚዕካዮ “ብመንን ስለምንታይን” ከይበለ ሴፉ ከም ዝስሕል ስለ ዝተረደአ፡ ነዚ ሕኑን ኤርትራዊ ሃገራዊ ፍቕሩ መዝሚዙ ኣብ ሓዊ ክጠብሶ ጸኒሑ። እዚ እቲ መሸፈኒ ኮይኑ፡ ብፍላይ ናይቲ ኣንጻር ኢትዮጵያ ዝወለዖን ዝተፈላለዩ ሕብርታት ክቐብኦ ዝጸንሐን ውግእ ቀንዲ ምኽንያት፡ እቲ ክዝረበሉ ዝጸንሐ ጉዳይ ዶብ ከምዘይኮነ፡ ሎሚ ናይ ማሕበራዊ ሳይንስ ተመራመርቲ ዓው ኢሎም ዝገልጽዎ ዘለዉ እዩ። ዘይተጸንዐን ኣመዛዚኑ ዘይርእን ኣብ መወዳእታ ዝተሳዕረን ናይ ሽዑ ቁጠባዊ ፖሊሲ ህግደፍ ምስ ተሳዕረ ህግዲፍ ኣብ ውግእ ንኽኣቱ ከም ዘገደዶ ሎሚ ብወግዒ ተፈሊጡ እዩ። እዚ ናይ ሽዑ ናይ ውግእ ጠንቂ ሎሚ’ውን ካብ ኣእምሮ’ዚ ዲክታቶር ኣይወጸን። እቲ ካብኡ ዝገደደ ንህግዲፍ ናብ ውግእ ኣንጻር ኢትዮጵያ ዝደፈኦ ናይ ኢሳይያስ ዓባይ ኢትዮጵያ ናይ ምምራሕ ህርፋን ምስ በነነ ምዃኑ ሎሚ ብዙሓት ተመራመርትን ፖለቲከኛታትን ዘግህድዎ ዘለዉ እንተኸወልካዮ ዘይክወል ጠንቂ እዩ። ኣብዚ እዋንዚ ኢሳይያስ ኣፈወርቂ፡ ኣብ ከተማታት ኢትዮጵያ ከይዱ ኣፍልቡ ዝወቕዓሉ ዘሎ ቆልዓዊ ምኽንያት እውን ነዚ ሕነ ናይ ምፍዳይ ባህሪኡ ዘመልክት እዩ። ኣብ ውግእ ኤርትራን ኢትዮጵያን ኢሳይያስ ኣብ ሓሳብን ኣርሒቕካ ምርኣይን ምስተሳዕረ፡ ሕነ ናይ ምፍዳይ ውግእ ከም ዝጀመረ ንሕና ንብሎ ዘለና ዘይኮኮነ ብደረጃ ዓለም ነዚ ጉዳዚ ከጻሪ ሓላፍነት ዝወሰደ ኣካል ከም ዝመስከረን ኤርትራ ከም ጀማሪት ውግእ ንክትክሕስ ዝፈረዳን ምዃኑ ክንዝንግዕ ኣይግበኣናን።

ኢሳይያስ ስለምንታይ ከምዚ ዓይነት ውግእ ናይ ምኽፋት ስጉምቲ ወሲዱ ካብ ቅድም’ውን ንጹር እዩ። ካብ ወልፊ ውግእ ወጻኢ ክነብር ስለ ዘይክእል እዩ። ንሱስ ሕራይ ባህሪኡ ኮይንዎ፡ “ስለምንታይከ ብሓፈሻ ህዝቢ ኤርትራ ብፍላይ ድማ ኤርትራዊ መንእሰይ ኣሚኑ ኣብ ሓዊ ተጠቢስሉ?” ዝብል ግና ኣዘራራብን ኣብ ህዝቢ ኤርትራ ሕቶ ዘልዕልን እዩ። ደሓር ግና ኤርትራዊ መንእሰይ ኣብቲ ኣቐዲሙ ዝተጠቕሰ ኢሳያሳዊ ወልፊ ንምርዋይ ዝተወጠነ ውግኣት ክጥበስ እንከሎ፡ ከም ዝተዓሸወ ዝተረደአ ይመስል። ነዚ ስርዓት ራሕሪሕዎ ናብ ስደት ምውሓዙ በቲ ስርዓት ተዓሽዩ ከም ዝነበረ ናይ ምርድኡ ምልክት እዩ። እቲ ተዓሽዩ ከም ዝነበረ ምርድኡ ጽቡቕ ኮይኑ፡ እቲ ከም ግብረ መልሲ ዝወሰዶ ናይ ስደት ምርጫ ግና ካልእ ነዚ ዲክታቶር ዘሕጎሱ እዩ። ምኽንያቱ ነቲ ሃገር ናይ ምብራስ ሕቡእ ኣጀንዳኡ ዘተግብረሉ ኮይኑ ስለ ዝረኸቦ። እንተኾነ ሕጂ እውን ከምቲ “ክንብል በለ እምበር ኣይተኻዕወን” ዝበሃል፡ ቃልሲ መንእሰያት ኣንጻር ዲክታቶር፡ ከካብ ዘለኻዮ ኩርናዕን በብዝጥዕመካ ኣገባብን ይቕጽል ስለ ዘሎ ተስፋ ዝህብ እዩ። መድረኽ “ይኣክል” ክሳብ ክንድዚ ምዕማሩ ከኣ ነዚ ዘመልክት እዩ።

ዲክታቶር ኢሳይያስ ኣብዚ እዋንዚ ኣብ ኤርትራ ናይ ታዕሊም ተሃድሶን ግፋን የካይድ ከምዘሎ ይሕበር ኣሎ። እዚ ከኣ ተዋጋኢ ባህሪኡ ኣብ ቦትኡ ከም ዘሎ ዘመልክት እዩ። ኣብ ቦታኡ ዘሎ እቲ ተዋጋኢ ባህርያቱ  ጥራይ ዘይኮነ፡ እቲ ካብ ገዛእ ርእሱ ዘይጅምር ጽገዕተኛ ናይ ቁጠባ ፖሊሲኡ እውን ከምኡ ኣብ ቦታኡ’ዩ ዘሎ። ከምቲ ወለድና “ኣመል ምስ መግነዝ” ዝብልዎ እዚ ዲክታቶር ክሳብ ዘሎ ተናኻሲ ባህሪኡ እውን ምስኡ እዩ ዘሎ። እቲ ቅድሚ ሕጂ ኣንጻር ኢትዮጵያን ካለኦት ጐረባብቲ ሃገራትን ውግእ ዝኸፈተ ባህሪኡ ምስኡ እዩ ዘሎ። ምስዚ ባህሪኡ ክሳብ ዘሎ ከኣ፡ ዓቕሚ እንተዘይገዲብዎ፡ ውግእ ካብ ምኽፋት ዓዲ ከምዘይውዕል ተግባራቱ’ውን ይምስክር ኣሎ። ዲክታቶር ኢሳይያስ ኣብ ዝተፈላለዩ መድረኻት ኢትዮጵያን ናይዚ እዋንዚ ለኣኽቱ ሃገራትን ከይዱ ኣፍልቡ ብምውቓዕ ድዩ ኢዱ ብምስዓም ባህሪኡ ዝቐየረ ዝመስሎም  ኣካላት ከይጋገዩ ናይ “ኢሳይያስ ቀደም ኮነ ሎሚ፡ ኢሳይያስ’ዩ እሞ፡ ኣይትተሃመሉ” መልእኽትና ነመሓላልፈሎም።

ርእሰ-ዓንቀጽ ሰዲህኤ

ጉዕዞና፡ ጉዕዞ ናብ ለውጢ እዩ። እዚ ጉዕዞ ናብ ለውጢ ብዝተፈላለዩ መንጠሪ ምዕራፋት ክሓልፍ ዝጸንሐ እዩ። ኣብዚ እዋንዚ ከኣ ዝያዳቲ ናይ ቅድም ፍሉይ ናህርን ቅልጣፈን ሒዙ ይሕንበብ ኣሎ። ህግደፍ ላዕለዎት ሓለፍቱ ዝነበሩን ጋዜጠኛታትን ኣካይዳና ቀጥዒ ነትሕዞ ስለ ዝበሉ፡ ብጃምላ ዝኣሰረሉ ግዜ፡ ልዕሊ 360 ኤርትራውያን መንእሰያት ናብ ስደት እንዳምርሑ፡ ኣብ ደሴት ላምፓዱሳ ዝሃለቕሉ እዋን፡ “ናይ ወዲ ዓሊ” እናበልና እንጽወዖ ምንቅስቓስ ዝተረእየሉ ኣጋጣሚ፡ ካብቶም መንጠሪ ኮይኖም ዝጸንሑ ኣጋጣምታት እዮም። እነሆ ሎሚ ከኣ ኢሳይያስን ጉጅልኡን ካብቲ ብናይ ሓሶት ልኡላዊ ሓልዮት ዝተነድቀ መሕብኢ በዓቲ፡ ብዘይግሉጽ ኣገባብ ዕዮ ገዛ ጐይተቶም ክሰርሑ ተጐቲቶም ምስ ወጹ፡ ዓብዪ ናይ ለውጢ መንጠሪ ተፈጢሩ ጻት-ንጻት ሃልሃል ይብል ኣሎ።

ኢሳይያስ ካብዚ ተሓቢእሉ ዝጸንሐ በዓቲ ወጺኡ፡ ካብ ባሕሪ ከም ዝወጸ ዓሳ ፈለኽ ምባል ከሊአምዎ ዘለዉ ህዝባዊ ሕቶታት ኣዝዮም ብዙሓት እዮም። ካብቶም ውቃበኡ ተገፊፉ ክምልሶም ዘይከኣለ በዳህቲ ሕቶታት፡ “ሕጂ ኸደኣ ኢትዮጵያ ንውዕል ኣልጀርስን ውሳነ ኮሚሽን ዶብን ብዘይ ቅድመ-ኩነት እቕበሎ ካብ በለት ዶብ ኣብ ባይታ ዘይምልከት?፡ ብሰንኪ ልኡላዊ ስግእት ተዓጊቱ ዝጸንሐ መስርሕ ናብ ሕገመንግታዊ ምምሕዳር ስለምንታይ ዘይቅጽል?፡ ስለምንታይ ኤርትራዊ ልኡላውነት ኣህሲስካ ናብ “ኤርትራን ኢትዮጵያን ሓደ እየን” ጽግዕ-ጽግዕ?፡ ስለምንታይ ኤርትራ ንኢሳይያስ ጥራይ ከም ዝወለደት፡ ናብ ኢትዮጵያዊ መራሒ ምቁማትን ከተውርሶ ትንዕምንዕ ምባልን?፡ ወዮ ስግኣት ናይ ዶብ ካብ ተወገደ ኣዋጅ ሃገራዊ ኣገልግሎት ናብ ባህርያዊ ቦታኡ ዘይምለስ?፡ ስለምንታይ ሓይሊ ባሕሪ ኢትዮጵያ ኣብ ምጽዋዕ ይሰፍር?”፡ ስለምንታይ ሓድሽ ምፍቕሪ ምስ ኤሮማራ ጽልኢ ምስ ትግራይ? ዝብሉ ሕቶታት ብኣብነት ዝጥቀሱ እዮም። ነዚ ሕቶታት ዝሰምዐ ኢሳይያስ ከየተንፈሰ ስቕ እዩ ኢሉ። ስቕ ከኣ ካልእ ኣገባብ ናይ ምእማን እዩ። ሎሚ “ስቕ ዝበልና ስቕ ስለ ዝመረጽና ኢና” ዝብል ህድማ ኣይሰርሕን እዩ። ምኽንያቱ “ስቕ ዝበሉ መልሲ ስለ ዘየብሎም ምዃኑ” ኩሉ ተረዲእዎ ስለ ዝኾነ።

ኣቶ ኢሳይያስ ከምቲ “ሕኑቕ እንታይ የውጽእ ዓፍራ” ዝበሃል፡ ናይዚ ህዝባዊ ሕቶታት መልሲ ስለ ዘየብሉ መሪጽዎ ዘሎ ስንኩፍ ሜላ ከምዚ በዓል ዕዳ ዕዳኡ ከይከፍል ዝሕባእ ምሕባእን ምህዳምን እዩ። ህዝቢ ኤርትራ ዝነፈጎ እምነት ካብ ህዝቢ ኣዲስ ኣበባ፡ ኣዋሳ፡ ጎንደርን ባህርዳርን ክረኽቦ ዳምዳም ይብል። ህዝቢ ኤርትራ ግና ሎሚ ትዕግስቱ ወዲኡ ስለ ዝኾነ፡ ኢሳይያስ እንተሃደመ ኣብ ዝኣተዎ ኣትዩ ብኽሳዱ ክሕዞ ምዃኑ እቲ ምልክታት ንርእዮ ኣለና። ምልክታት ከባቢና ይሕብሮ ከም ዘሎ፡ ሎሚ ንኢሳይያስ ብሓሳብ ኣኽቢብካ ሒዝካ ናይዚ ኣቐዲሙ ዝተጠቕሰ ሕቶታት መልሱ ምጽባይ ዘይኮነ፡ ደፊእካ ከም ዑመር ኣልበሽር ምጽዳፉ ጥራይ እዩ። ምኽንያቱ መልሲ ካብዘይብሉ ዕቡስ፡ መልሲ ምጽባይ ማይ ምሕቋን ስለ ዝኾነ። እዚ ማለት ግና ወዮ ዘይቀብጽ ዲክታቶር፡ ኮንደኾን የዋጸኣኒ ዝብሎ ጉዳጉዲ ካብ ምኹዓት ክሳብ ወሪደ-መቓብር ካብ ምፍታን ዓዲ ኣይክውዕልን እዩ። እዚ ብድኹም ሞራል፡ ዘይእርኑብ ሓሳባትን ብዉሱናት ኣብ ናይ ቀደም ዓለም ዝነብሩ ባእታታትን ኣብ ዝተፈላለየ ከባብታት ሃገርና ክግበር ዝቐነየ ኣኼባታት ከኣ ናይዚ ኣብነት’ዩ። ጉጅለ ኢሳይያስ ብኣተሓሳስባ ካብ ዝሰዓር ነዊሕ ግዜ ኮይኑ እዩ። ሎሚ ከኣ ብተግባር ይህወጽ ኣሎ።

ሎሚ በቲ ሓደ ወገን ኢሳይያስ ነቲ ዝሕተቶ ሕቶታት መልሲ ስኢኑ ከም ሕሱም ዘዕለብጠሉ ዘሎ እዩ። እቲ ወጣሪ ሕቶታት ብኣና ብኤርትራውያን ጥራይ ዘይኮነ፡ በተን ትማሊ ዝሕጭጨለን ዝነበረ ዓለምለኻዊ ትካላት እውን ዝቐርቦ ዘሎ እዩ። ኣብዚ ቀረባ ግዜ ብናይ ዓለም ኮሚተ ክኢላታት ኣተገባብራ ሲቪላውን ፖለቲካውን መሰላት፡ ኣስማት እንዳተጠቕሰ፡ “እገለን እገለ ዝበሃሉ እሱራት ብህይወትዶ ኣለዉ፡ እንተልዮምከ ኣበይ ኣለዉ?” ዝብል ሕቶ ምስ ቀረቦ፡ ልኡኹ ብዘይካ ምዕጥጣይን ክሕደትን ዝጭበጥ መልሲ ክህብ ዘይምብቅዑ ክሳብ ክንደይ ጸቢብዎ ከምዘሎ ዘርኢ እዩ። ብሰንኪ እዚ ከኣ በዚ ዓበይቲ ትካላት ናይ ኩነኔ መልእኽታት ይበጽሖ ኣሎ። በቲ ካልእ ወገን ከኣ ብኤርትራውያን ናይ ለውጢ ሓይልታት ቁጠዐን ነድርን ሰማይ ዓሪጉ ኣሎ። እታ ንግሆ ንግሆ ናብ ኢትዮጵያ ምጋሽ በይና: ዘይብሉ ጥዑይ ምስሊ ከተውህቦ ከምዘይትኽእል እውን ብጋህዲ ተነጊርዎ ኣሎ። እዚ ዘርእዮ ከኣ ደጊም መዕሸዊ ምኽንያታቱን መህደሚ መዓጽኡን ከም ዘብቅዐ እዩ።

ኣብዚ እዋንዚ ቁጠዐ ኤርትራውያን ኣብ ውሽጢ ሃገር ካብ ማእከል ኣስመራ፡ ክሳብቲ ናይ ገጠር ጫፋት ይቃላሕ ኣሎ። ሎሚ እቶም ኩሉ ተሃዋሲ ስምዒታት እንዳመዝመዙ ኣብ መንጎ ሓዳርን ኣባላት ሓደ ቤተሰብን ከይተረፈ ልሒኾም ዝነበሩ ሰለይቲ ህግዲፍ ተሳዒሮም ናብ “እግረይ ኣውጽእኒ” ኣትዮም እዮም። ብውሕዱ ዓው ኢሉ “እዚ ሰብኣይሲ ንጥፍኣትና ዝተዓጥቀ እዩ፡ ዘይእመን ኣሚና ተዘንጊዕና ጸኒሕና” ዘይብል በሃጊ ለውጢ ኤርትራዊ የለን። ካብ ኤርትራ ወጻኢ እውን እቲ ካብ ቅድም ዝጸንሐ ናይ ተቓውሞ መንፈስ መሊሱ ኣጉላዕሊዑን ዓንቢቡን ናብ ፍረ ገጹ የምርሕ ኣሎ። ውድባዊ ድሕረባይታ ይኹን ካልእ ዘይመሰረታዊ መፈላለዪ ምኽንያታት ፈሪሱስ ኩሉ ኣብ ማዕበል “ይኣክል” ይኸብብ ኣሎ። ስለዚ ይኣክል ኣብ ልዕሊ ናይ ኢሳይያስ ናይ “ንደመር” ናይ ልቓሕ ፍልስፍና ልዕልናኣ ኣረጋጊጻ እያ። እንተኾ እቲ ይኣክል ናይ ብሓቂ ይኣክል ምእንቲ ክኸውን ከምቲ “ሓጺን ብርስኑ” ዝብሃል ብቅልጡፍን ቀጻልን ናይ ይኣክል ጉያ ንዲክታቶር ኢሳይያስ ልቡ ከነጥፈኣሉ ኣብ ዝባና ዘሎ ሓላፍነት ከቢድ እዩ። ሓላፍነት ተሰኪምና ርትዓዊ ሚዛን እናንበርና እንተኬድናዮ ግና ዝከኣል ጥራይ ዘይኮነስ ቀሊል እዩ። ከምኡ እንተዘይጌርና ማዕበል ይኣክል ንድሕሪት’ኳ እንተዘይተመልሰ ምድንጓይ ከጋጥሞ ይኽእል እዩ። እቲ ለውጢ ክድንጒ እንከሎ ከኣ ብኽንድኡ ደረጃ ወጽዓን ብርሰትን ህዝብና ክቕጽል እዩ። ስለዚ  ኢና እምበኣር “ይኣክል ይቐጽል፡ ክሳብ ዝኣክል” ብዝብል ነቲ ጉዕዞ ነሕጽሮ እንብል። ሰራዊት ኤርትራ ከኣ፡ እንተኾነ ካብኡ ንላዕሊ፡ እንተዘየለ ክንድቲ ሰራዊት ሱዳንን፡ ኣልጀርያን ግብጽን ኣብ ግዜ ለውጢ ንህዝቦም ዘርእይዎ ፍቕሪ፡ ንህዝቢ ኤርትራ ከምዘይነፍጎ ርግጸኛታት ኢና።

ርእሰ-ዓንቀጽ ሰዲህኤ

እዚ ንርከበሉ ዘለና መዋእል፡ ዞባዊ ጥራይ ዘኮነስ ዓለም ለኻዊ ምቅርራብ እውን ዝድለየሉ መዋእል እዩ። ንነዊሕ ግዜ ብዘይዘእምን ምኽንያት፡ ገዛ ዓጽዩ ንህዝቢ ጅሆ ሒዙ ተሓቢኡ ዝጸንሐ ጉጅለ ህግደፍ ኣብዚ እዋንዚ፡ “ዞባ ቀይሕ ባርን ቀርኒ ኣፍሪቃን” ዝብላ ሓረጋት መውጽእ ኣፉ ገይርወን ዘሎ፡ ካብ መሰረታዊ  ሓቢርካ ናይ ምዕባይ መትከል ዝነቐለ ኣይኮነን ኢልካ ንምግማት ዘጸገም ኣይኮነን። ከምዚ ዓይነት መሰረታዊ ጉዳይ ኣብ ከመይ ኩነታት፡ መዓስን ብመንን ይለዓል ዝብሉ ሕቶታት ኣብ ግምት ምእታው ኣብ ቦታኡ ኮይኑ፡ ኩለመዳያዊ ዞባውን ከባብያውን ምትእስስሳርን ምድግጋፍን ዝድገፍ እምበር ዝንጸግ ኣይኮነን።

እዚ ብዙሕ ዝድረፈሉ ዘሎ ናይ በዓል ዲክታቶር ኢሳይያስ ከባብያዊ ምትሕብባር ምስ ናይተን ኣብ ዞባዊ መድረኽ ብሓባር ክሰርሓ ዝደልያ ሃገራት ዘቤታዊ ዕቤትን ቅዲ ምምሕዳርን ክናበብ እንተዘይክኢሉ፡ ኣብ መዓላ ዝበጽሕ ኣይኮነን። ዞባዊ ዕቤት፡ እኩብ ድምር ዕቤት ናይተን ኣብቲ ዞባዊ ብምትሕብባር ዝዋሰኣ ሃገራት እምበር ስለ ዝደረፍካሉ ጥራይ ከም ማና ካብ ዞባዊ ሰማይ ዝዘንብ ጸጋ ኣይኮነን። ርቡሕን ህዱእን ዓቕሚ ዘለወን ሃገራት ዝምስርተኦ ዞባዊ ምውህሃድ፡ ቀጻሊ ርቡሕን ህዱእን ይኸውን። ኣብ ኢደን ኣብ ሃሃገረን ዘጥረየኦ ዝጭበጥ ትሕዝቶ ዘየብለን ሃገራት ዝምስርተኦ ዞባዊ ምትሕብባር ባዶ እዩ ዝኸውን። ኮታ ከምቲ “ዝዘራእካዮ ኢኻ ትሓፍስ” ዝበሃል። ኣብ ዞባዊ ዛዕባ ተዋሳኢ ንክትከውን ቁጠባዊ ዓቕሚ ጥራይ ዘይኮነ፡ ዘተኣማምን ሰላም፡ ምርግጋእን ህዝባዊ ተቐባልነትን’ውን ወሳኒ እዩ።

ሃገራት ቅድሚ ናብ ዞባዊ ምትእስሳር ምምጥጣረን ነናይ ገዛእ ርእሰን ኩለመዳያዊ ዕማም ከጻፍፋ ናይ ግድን እዩ። ዝባኑ ቀሊዑ ናብ ዕቤት ዝመጣጠር ናይ ህዝቢ ዲሞክራስያዊ ተሳትፎ ዘውሕስ ምምሕዳር ክህልወን ይግባእ። ኣብ ዞባዊ ቁጠባዊ ምዕባለ ሒዘንኦ ዝቐረባን ዝወዳደራሉን ናይ ህዝቢ ተሳትፎ ዕድል ዝኸፍት ንጹር ቁጠባዊ ፖሊሲ ምህላው ከኣ ግደኡ ኣዝዩ ዕዙዝ እዩ። ብመንጽር እዚ ብሓፈሻ ንዞባ ቀርኒ ኣፍሪቃን ቀይሕ ባሕርን፡ ብፍላይ ከኣ ንኤርትራና ዝምልከት ጉዳይ እንተዳህሰስና፡ ኤርትራ ኣይኮነንዶ ኣብ ዞባዊ መድረኽ ክትወዳደርን ክትተሓባበርን፡ እቲ ዝተሓተ ሓንቲ ሃገር ከተማለኦ ዝግበኣ መባእታዊ መዕቀንታት እውን ስለ ዘየማለአት ኣብ መንጎ ምህላውን ዘይምህላውን ትሰሓግ ዘላ ሃገር እያ። ኤርትራ ብሕገ-መንግስቲ ዘይትምራሕ፡ ልዕልና ፍትሒ ዝተነፍጋ፡ ዜጋታታ ኣይኮነንዶ ኣብ ተወዳዳሪ ልምዓት ክሳተፉ፡ ናይ ምንባር መሰል ተነፊግዎም ኣብ ዓዲ ጓና ናይ ዝነብሩላ፡ ኩሉ ትሕተ-ቅርጸኣ ናይ ዝዓነወ፡  ሃገር ዜጋ ኮይኑ ከምዘሎ፡ ኣይኮነንዶ ካልእ ተዓዛቢ እቲ ናይዚ ኩሉ ሕጽረታት ተሓታቲ ገበነኛ ዲክታቶር ኢሳይያስ ዝመርሖ ጉጅለ እውን ዝኽሕዶ ኣይኮነን። እንተኾነ ከምቲ “ኣብ ከብዲ ጽጉብ፡ የለን ጥሙይ” ዝበሃል ወጽዓ ህዝቢ ወጽዓና’ዩ ዘይብሉ፡ ምስቲ ዲክታቶር ኣብ ሓደ ጠላም መኣዲ ዝምገቡ ወይ ካብ ኣስመራ ናብ ኣዲስ ኣበባ ምጋሽ መሰረታዊ ፍታሕ ዝመስሎም፡ ውሑዳት ወገናት ግና ዓው ኢሎም’ኳ እንተዘይጨደሩ፡ ሰላሕ ኢሎም “ሃገር ጽቡቕ እያ ዘላ” ዝብሉ ናይ ምምዝዛን ሕልናኦም ንህግዲፍ ዘረከቡ ይህልዉ።

ብደረጃ ዞባ ቀይሕ ባሕርን ቀርኒ ኣፍሪቃን እውን፡ ካብ ኤርትራ ዘይትሓይሽ ሃገር’ኳ እንተዘየለ፡ ቀጻሊ ዕቤትን ሰላምን ዘምጽእ ዞባዊ ምትሕብባር ንምንጻፍ ዘኽእል ህዱእ ባይታ የለን። ኣብ መንጎ ኤርትራን ኢትዮጵያን፡ ኣብ መንጎ ኤርትራን ሱዳንን፡ ኣብ መንጎ ኤርትራን ጅቡትን፡ ኣብ መንጎ ሶማልን ሶማልያ ላንድን፡ ኣብ መንጎ ኬንያን ሱማልን ዘሎ ዘይርጡብ ዝምድናታት እንተመዚናዮ፡ ኣይኮነንዶ ከምቲ ዝድረፈሉ ዞባዊ ምትሕብባር ንምፍጣር ከም ጐረባብቲ ተኸኣኢልካ ንምንባር እውን ዘኽእል ኣይኮነን። ምስ ጐረቤት ኣብ ምስሕሓብ ምእታው፡ ሓደ መግለጺ ሃገራዊ ዘቤታዊ ወኒንካ ከተጣጥሕ ናይ ዘይምብቃዕ እዩ። እዚ ብሰፊሑ ኣብ ኤርትራ ብጋህዲ ዝረአ እዩ። እቲ ኢሳይያስ ሓሓሊፉ ምስ ጐረባብቲ ውግእ ክኸፍተሉ ዝጸንሐ ሸፋጢ ባህሪኡ  ሕጂ እውን ምስኡ እዩ ዘሎ። ቅድሚ ሕጂ ምስ ዝኾነት ሃገር ክናኸስ ዝጸንሐ፡ እቲ ዓብዒብዎ ክኸይድ ዝፍትን ናይ ህዝቢ መሰረታዊ መሰል ከይትንከፎ ናይ ዝገብሮ ህድማን ስግኣትን ኣካል እዩ። ንኹሎም ጐረባብቲ ዝኸሶም ከኣ ከምቲ “ነዳይስ ናይ ልቡ ይሓልም” ዝበሃል ግብሩ ፈሊጡ፡ ኣብ ጉዳየይ ኣትየሙኒ ናይ ዝብል ብህራረ እዩ።

እቲ ኣብ ከምዚ ቀንዲ ሕመረቱ ህድማ ካብ ውሽጣዊ ጉዳይካ ዝምስረት ዞባዊ ምውሃድ ኣብ ድልዱል ባይታ ስለ ዘይምስረት ምፍራሱ ዘይተርፍ እዩ። ድሮ’ኳ ወዮ ናይ ኢሳይያስ ከም ኣባጉንባሕ ዘይግራትካ ምኹላል ክኹርመሽ ጀሚሩ ኣሎ። ኢሳይያስስ ምስ ህዝቢ ኤርትራ ኣብ ዲቕ ዝበለ ጽልእን ቂምን እንከሎ፡ ንበዓል ሶማል ክንዓርቕ ኢና ነዓናይ እንተበልዎ ዘብዘብ ምባሉስ ምስ ምንታይ ከም ዝቑጸር እንድዒ። ከምቲ ሓደሓደ ግዜ ይሓይሽ ኢልካ ዝፈተንካዮ ዝገደደ ዝኸውን፡ እንሆ ወዮ ናይ ኢሳይያስ ቀልባዕባዕን ህድማ ካብ ኤርትራዊ ህዝባዊ ጠለባትን ዘይተጸበዮ መዓት ጐቲትሉ። ወዮ ኣበይ ከይበጽሕ ክብሎ ዝጸንሐ ህዝቢ ኤርትራ ተላዒሉ ኣሎ። እቲ ኣብ ወጻኢ ዝቃላሕ ዘሎ ናይ “ይኣክል” ማዕበል ከም ዘለዎ ኮይኑ፡ እቲ ኣብ ዝተፈላለየ ከባብታት ኤርትራ ብሽሞኛታት ህግዲፍ ዝተኻየደ ኣኼባታት እውን ኣጠቓሊልካ ክምዘን እንከሎ ናይ “ከም ቀደም ይመስለክን ውሕጅ ይወስደክን” መልእኽቲ እዩ ኣመሓላሊፍሉ። እዚ’ውን ካልእ መልክዕ “ይኣክል” እዩ።

ኢስይያስ ነዚ ሓድሽ ዘይኮነ ክነሱ፡ ኣብ ሓድሽ ወረቐት ጽሒፉ ከቕርቦ ዝፍትን ዘሎ ናይ ዞባዊ ምትሕብባር ኣምር ዘምጸኣሉ ምኽንያት ሓደን ንጹርን እዩ። እዚ ድማ ነቲ ኣብ ውሽጢ ኤርትራ ዘጋጥሞ ዘሎ ዕቤቱ ሓልዩ ዝመጸ ንድሕሪት ዘይምለስ፡ ወጣሪ ብደሆ ብጉልባብ ዞባዊ ምትሕብባር ማይ ንምጅላሕ እዩ። ዞባዊ ምትሕብባር ናቱ ኣካይዳን ናይ ዕቤት መስርሕን ዘለዎ እምበር ንዘቤታዊ ዕማም ዝትክእ “መሕብኢ” ኣይኮነን። ዘቤታዊ ዕማም እውን ንኣድላይነት ዞባዊ ምትሕብባር ዝትክእ ኣይኮነን። ኮታ ዘቤታዊ ዕዮን ዞባዊ ምትሕብባርን ኣብ ሕድሕዶም ዝመላልኡ እምበር ነጻጺልካ ዝረኣዩን እቲ ሓደ ነቲ ካልእ ዝትክኦን ኣይኮኑን። ስለዚ ኢሳይያስ ነቲ ኣብ ዘቤታዊ መድረኽ ዝፈሸሎ ብጉልባብ ዞባዊ ምትሕብባር ክትከኦ ዘካይዶ ዘሎ ዘይሰምር ፈተነ እዩ። ኢሳይያስ ነቲ “መን መርዓት ምስ በለክን ትኮሓላ” ዝብል ምስላ ዘንጊዑ ዞባዊ ጐብለል ናይ ምዃን ዓሻ ህጥራን እውን ይህልዎ ይኸውን።

ርእሰ-ዓንቀጽ ሰዲህኤ

ህይወትና ህይወት ኤርትራውያን፡ ወትሩ ሻቕሎትን ተስፋን ዝበራረይሉ እዩ። ናይዚ ውረድ ደይብ መስርሕ ጠንቂ ከኣ ውልቃዊ ዘይኮነ፡ ሓባራዊ ሃገራዊ ጉዳይ እዩ። እቲ ሻቕሎት ካብቲ ንሃገርና ከጋጥማ ዝጸንሐ ንህልውነኣ ዝፈታተን ተርእዮታት ዝነቅል እዩ። ናይዚ ኣሻቓሊ ተርእዮታት ጠንቂ ግዳማውያን ሓይልታት ጥራይ ዘይኮኑ፡ ኤርትራውያን እውን እጃም ጸኒሕዎምን ኣለዎምን። እቲ ተስፋና ከኣ እቲ ዝገጠመና ጸገማት ንምብዳህ ብዘይምስልካይ ብሓባር ክንሓልፎ ዝጸናሕና ናይ ቃልስን ዓወትን መስርሕ እዩ።

ናይ ክሳብ ሕጂ ታሪኽ ቃልስና ሓጐጽጐጽ ዘይተፈልዮ ኮይኑ፡ እቲ  ዝያዳን ሓያልን ሓጐጽጐጽ ዘይተፈልዮ ኣካሉ ከኣ እቲ ኣብ ብረታዊ ቃልስና ዝተራእየ ምርብራብ እዩ። ኣብቲ ምዕራፍ ቃልሲቲ መላእ ህዝቢ ኤርትራ ብዘይዝኾነ ይኹን ኣፈላላይ ንግዳማውን ውሽጣውን ውዲታት መኪቱ ብሓባር ክወድቕን ክትስእን ጸኒሑ። ህዝቢ ኤርትራ ንኹሉ ዝተሓቶ ዋጋ፡ ዋላ እውን ክቡር ህይወቱ ከይበቐቐ ሳላ ዝኸፈለ፡ ብተስፋን ዓወትን ደምዲምዎ። ድሕሪዚ ናይ ሰላሳ ዓመታትት መሪር  ምርብራብ ዝወለዶ ዓወት ናጽነት፡ እቲ ዝቕጽል ምዕራፍ ዝቐለለ ከም ዝኸውን ናይ ኩልና ኤርትራውያን እምነት ነይሩ። ብኻልእ ኣዘራርባ እቲ ተስፋ ካብቲ ሻቕሎት ዝያዳ ዝበረኸሉ መድረኽ ከም ዝኸውን ናይ ኩልና ኤርትራውያን ከም ዝነበረ ፍሉጥ እዩ። ኣብቲ ባይታኸ ከምቲ ትጽቢትናዶ ተስፋና ልዕሊ ስግኣትን ሻቕሎት በሪኹ ወይ ኣይኮነን ከኣ ሕጂ ዘለናዮ ሃለዋትና ዝምስክሮ እዩ። ሎሚ ክንርእዮ እንከለና፡ ኣብቲ መብዛሕትና ኤርትራውያን ንጉዳያት ብቅንዕና ንርእየሉ ዝነበርና ግዜ ሓደ ውሱን ሓይሊ ኣድብዩ ካልእ ሕሳባት የሰላስል ከም ዝነበረ እዚ ንዕዘቦ ዘለና ምዕብልናታት መስካሪ እዩ።

ኣብ ናጽነት ምብጻሕና ሓደ ምዕራፍ ቃልሲ ምዝዛምና እምበር፡ መስርሕ ቃልሲ ንሓዋሩ ከም ዘኸተመ ዘመልክት ኣይነበረን። ምኽንያቱ ዕላማና ናጻ ሃገር ኣብ ምውናን ዝድረት ዘይኮነ፡ ብዙሕነታ ዝዓቀበት፡ ሕገመንግስታዊትን ዲሞክራስያዊትን ሃገር ናይ ምርግጋጽ ቃልሲ ኣብ ካለኣይ ምዕራፍ ዝተታሕዘ እዩ ነይሩ። ኣብቲ ቀዳማይ ምዕራፍ ቃልሲ ኮይና ነቲ ቀጻሊ ምዕራፍ ዝምልከት ባይታ ከነጣጥሕ ዘይምብቃዕና ከኣ ካብቲ ሎሚ ዋጋ ዘኽፍለና ዘሎ ምኽንያታት ሓደ እዩ። እዚ ምዕራፍዚ ከምቲ ቀዳማይ  ምስ ናይ ግዳም ሓይሊ እንጠማጠመሉ ዘይኮነ፡ ኤርትራውያን ኣብ ውሽጥና እነካይዶ ቃልሲ እዩ። ስለዚ ኩልና ኤርትራውያን ብማዕረ ኣብ ጉዳይ ህዝብናን ሃገርናን ንግደስ ኢና ዝብል እምነት ስለ ዝነበረ፡  እዚ ሕገመንግስታዊትን ዲሞክራስያዊት ሃገር ናይ ምህናጽ ምዕራፍ ክንድዚ ንዕዘቦ ዘለና ክኸብደና እዩ ዝብል ትጽቢት ዘይነበረና ብዙሓት ኢና። ግን ብሰንኪ ሕቡእ ሕሳብ ዝነበሮም ትዃሉ ኣብዚ ንርእዮ ዘለና ኩነታት ወዲቕና ኣለና።

ኣብዚ እዋንዚ ብዛዕባዚ ንሃገርናን ህዝብናን ገጢምዎም ዘሎ ጸገም፡ ኣይኮነንዶ ንኤርትራዊ ንዘይኤርትራዊ ደላይ ጽቡቕ እውን ከይተረፈ ዘሻቕል እዩ። ወዮ ንሕና ኣብኡ ንነብር ስለ ዘለና ክኢልናዮ ኣለና እምበር፡ ህልዊ ኩነታት ሃገርናን ህዝብናን ኪኖ ምሽቓል ንሓያል ቃልሲ ዝዕድም እዩ። ሎሚ ህዝቢ ኤርትራ ብህግዲፍ ይጭቆን ጥራይ ዘይኮነ ናብ ብርሰትዩ ዘምርሕ ዘሎ። ሎሚ ንህዝቢ ኤርትራ በዂርዎ ዘሎ ዝተወሰነ መሰላት ዘይኮነ፡ ብዓብይኡ ንቐጻልነቱ ከም ሓደ ልኡላዊ ህዝቢ ኣብ ሓደጋ ዝወደቐሉ እዩ። እንተኾነ ንኹሉ ክኢልና ኣብ መስርሕ ቃልሲ ስለ ዘለና፡ እሞ ድሕሪ ቃልሲ  ዓወት ናይ ግድን ስለ ዝኾነ፡ በዚ ከኣ ትስፉዋት ኢና። ናይ ዓወትና ወሳንነት ኣብ ኢድ ህዝብና ምዃኑ ፍሉጥ እዩ። ብኣንጻሩ ህግደፍ እውን ሓቀኛ ባርያቱ ሓቢኡ ኣብ ህዝቢ እዩ ዝነብር። ኣብዚ ቀረባ ግዜ ብፍላይ ከኣ ኣብ መንጎ ኤርትራን ኢትዮጵያን ዝምድና ምስተቐየረ እሞ እቲ ኣካይዳ ንመሰረታዊ መሰላት ህዝብና ጥራይ ዘይኮነ ንልኡላውነት ሃገራና እውን ኣብ ሓደጋ ዘእቱ ምልክታት ምስተራእየ፡ ብዙሓት ናይ ህግደፍ ምህዞታት ሓቂ መሲልዎም ዝስዕብዎን ዝድግፍዎን ዝነበሩ ኤርትራውያን፡ በታ ክቡር ዋጋ ዝኸፈሉላ ሃገሮም ከም ዝመጾም ምልክታት ስለ ዝረኣዩ “ሎምስ ብዘይምጻእ መጺካና” ብዝብል ናብ ደንበ ለውጢ ይዛዝዉ ኣለዉ። ስለዚ ብዘይቃለ ዓለም ህዝቢ ብኣተሓሳስባ ኣንጻር ህግዲፍ ተሰሊፉ ኣሎ ኣብ እንብለሉ ደረጃ በጺሕና ኣለና። እት ህግዲፍ ካብቲ ተሓቢእሉ ዝነበረ መመሳመሲ ጉዳይ ምስ ኢትዮጵያ ተጐቲቱ ምስ ወጸ ከም ዝኸውን ዝተጸበናዮ እነሆ ንርእዮ ኣለና። እዚ ማዕበል ንሓዋሩ ሒዝዎ ናብ ዝኸይድ ውሕጅ ከም ዝምዕብል ከኣ ፍሉጥ እዩ። እዚ ከኣ ንሻቕሎትና እንዳሰዓረ ንተስፋና ዘለምልሞ እዩ።

ሓደ ነገር ግና ኣሎ። ናህሪ ተበግሶና ማዕረ ሻቕሎትናዶ ኣሎ። ሻቕሎትናን፡ ካብዚ ሻቕሎት ክንወጽእ ክንተግሆ ዝግበኣናን ጌና ኣይተመጣጠነን። ምናልባት ናብዚ ዘውድቐና ካብዚ ዘለናዮ ኩነታት ዘውጸኣና መዋጸኦ ንደሊ እሞ፡ እቲ ንደልዮ ጽቡቕ ግና ብናይ ካልኦት ኣበርክቶ ክመጸልና ተዓዛቢ ናይ ምዃን ሃካይ ኣካይዳ ከይከውን ክንጥንቀቕ ይግበና። ስለዚ ብዛዕባ ጉዳይ ሃገርናን ህዝብናን ምሽቓልና ክንቃለስ ምብርባርና ዘመልክት እምበር፡ ግብራዊ ተበግሶ እንተዘየሰንይዎ ዓወት ኣይከውንን እዩ።

ርእሰ-ዓንቀጽ ሰዲህኤ

ከም ኩሉ ተርእዮ ትዕግስቲ’ውን ደረት ኣለዎ። እቲ ድሕሪ ትዕግስትን ምጽማምን ዝለዓል ናህሪ ከኣ መላሲ የብሉን። ኣብዚ እዋንዚ መመሊሱ እንዳሰፈሐን እንዳነሃረን ዝመጽእ ዘሎ ኤርትራዊ መቓልሕ “ይኣክል” ከኣ ነዚ እዩ ዘረደኣና። ኣብ ዝሐለፈ ግዜ ሚዛን ኤርትራውያን ብዛዕባ ምምሕዳር ዲክታተር ኢሳይያስ ኣፈወርቂ ንነዊሕ ግዜ በበይኑ ጸኒሑ። ብምፍልላይ ህዝቢ ዝዕንገል ጉጅለ ኢሳይያስ ከኣ ክሰርሓሉ ጸኒሑ።  ንተንኮለኛን ጸረ ህዝብን ተግባራት ናይቲ ጉጅለ ተረዲኡ ዓገብ ዝበለ ወገን ንነወሕ ግዜ ክቃወም ጸኒሑን ኣሎን። ጉጅለ ኢሳይያስ እዚ ወገንዚ እንተዓብዩ ሓደጋ ከም ዝኾኖ ተረዲኡ ብህዝቢ ተቐባልነት ንከይረክብ ዘይፈንቀሎ እምንን ዘይቀብኦ ጸለሎን ኣይነበረን። በቲ ካልእ ወገን ከኣ ቀሊል ግምት ዘይወሃቦ ኤርትራዊ፡ ወጽዓ ስለ ዝመረጸ ዘይኮነስ፡ ተንኮለኛ ባህሪ ናይቲ ጉጅለ ቀልጢፉ ስለ ዘይተራእዮ ንጉጅለ ኢሳይያስ ክድግፍ ጸኑሑ እዩ። ከም መግለጺ ክቱር ደገፉ ከኣ ነቶም ዓገብ ዝበልና “እዚ ሰብኣይ እንታይ ግበር ኢኹም እንትብልዎ ዘለኹም፡ እዛ ሃገር ብዘይብኣኡ እንታይ ክትከውን እያ” ብዝብል ክዘርይሉ ዝጸንሑ ውሑዳት ኣይኮኑን።

ሓቀኛ ባህሪኻ ሓቢእካ ንውሱን ግዜን መድረኽን እምበር፡ ንሓዋሩ ክንበር ኣይከኣልን እዩ። እዋኑ ስለ ዝበጸሐ ከኣ፡ እቲ “ንሱ ንሕና፡ ንሕና ንሱ” ዝበሃለሉ ዝነበረ ኢሳይያስ ናይ ህዝቢ ከም ዘይኮነ ባዕሉ ክቃላዕ ጀሚሩ። ነታ “ነዓይን ንዓኣን ፈላሊኻ ምርኣይ ኣይካልን” ክብላ ዝጸንሐ ኤርትራ እውን ዘይናታ፡ እኳደኣ ኣብ ሓደጋ ዘውድቓ ምዃኑ ብግብሪ ኣርእዩ። መዝሙር “ንሕና ሃገር ንሕና ህዝቢ” ናይ ሓሶት ምዃኑ ከኣ ባዕሉ ተጠሊዑ ኣብ ሰፋሕቲ መድረኻት ዳሕዲሕዎ። ናይቶም ንሱ ሃገራዊ ጉልባብ ኣልቢሱ ኣብ ዘንቀዶ ውግእ ዝሓለፉ ኤርትራውያን መንእሰያት መስዋእትነት “ክሳራ ኣይኮነን” ኢልዎ። እዚ ዝተኸታተለ ህዝቢ ኤርትራ ከኣ እነሆ ነቲ ክትኣምኖ ዘጸግም ክሕደትን ህድማን ኢሳይያስ ምስ ኣስተብሃለ “ኣንታ እዚ ሰብኣይ ኣገሪሁና እምበር ነይሩ” ይብል ኣሎ። “ይኣክል” ዝብል ዘሎ ከኣ ካብዚ ነቒሉ እዩ። ይኣክል እንተተባሂሉ ከኣ እቲ ዝተርፍ ደቀቕቲ ናይ ኣተገባብራ ዝርዝር እንተዘይኮይኑ ጭቆና ኢሳይያስ ኮራርምቱ ምውዳኡ ዘመልክት እዩ።

ሎሚ ሰኣን ተቐራሪብካ ምልዛብን ጽጹይ ሚዛን ምክያድን ኣብ ሕድሕዱ ተተፋኒኑ መፍቶ ኢሳይያስ ኮይኑ ዝጸንሐ ኣብ ሰላም፡ ዲሞክራስን ዕቤትን ግና ናይ ሓባር ረብሓ ዘለዎ ኤርትራዊ ተቐራሪቡ ናይ ለውጢ ቅኑዕ ጐደና ክሕዝ ክኢሉ ኣሎ። ጉጅለ ኢሳይያስ በዚ ዘይተጸበዮ ዘይኮነስ፡ ቀልጢፉ ኣብ ዘይሓሰቦ እዋን ድምጺ ይኣክል ስለ ዝመጾ ክስንብድ ባህርያዊ እዩ። ንድምጺ “ይኣክል” ኣሜን ኢሉ ኢድ ክህብ ባህርያዊ ስለ ዘይኮነ ከኣ መዋጸኦ ዝመሰሎ፡ ግና ዘየዋጽኦ መህደሚ ክረክብ ዳምዳም ይብል ኣሎ። እዚ ኣብ እዝኒ ህዝቢ ኤርትራ ቦታ ዘየብሉ ኣጀንዳታት ኣትሒዙ ጉጅለታት ልኢኹ ኣብ ዝተፈላለየ ኩርነዓት ዘካይዶ ዘሎ ኣኼባታት ከኣ ናይቲ ዓቕሊ ጽበት ኣብነት እዩ። እቲ ነቲ ፈተነታት ኣዝዩ ዘገርም ዝግበሮ ዘሎ ከኣ፡ ከምቲ “ኣቦይን ኣደይን በበይኑ ጸሎቶም” ዝበሃል ኣብቲ ኣኼባታት ዝዝረብን ህዝቢ ኤርትራ ክዝረበሉ ዝደልዮን ዛዕባታት ዘይቃዶ ምዃኑ እዩ። እቲ ህዝቢ ክዝረበሉ ዝደልዮ ካብ ውድዕነት ኤርትራ ዝነቅል ክፍታሕ ዘድልዮ ዛዕባታት እዩ። እቲ ጉጅለ ዘልዕሎ ጉዳያት ከኣ ምስ ህልዊ ጠለብ ህዝቢ ዘይከይድ ኮነ ኢልካ ንመህደሚ ዝተሃንደሰ እዩ።

ህልዊ ጠለባት ህዝብና ኣብ ዙርያ፡ ምትእትታው ሕገመንግስታዊ ምምሕዳር፡ ምፍታሕ እሱራት፡ ምምልካት ዶብ ኤርትራን ኢትዮጵያን፡ ምጥያስ ግዳያት ደረት ዘየብሉ ኣገልግሎትን፡ ምኽባር ሰብኣውን ዲሞክራስያውን መሰላት ዘተኩር እዩ። ኣብቲ ካብ ሓቀኛ ክዉንነት መህደሚ ኣኼባታት ከኣ ዞባዊ ሰላም፡ ከባብያዊ ቁጠባዊ ምትእስሳር፡ ትካላዊ ውሕስነት ዘየብሉ ኣብ ውልቀ-መራሕቲ ዝተንጠልጠለ ቅድሚ ሕጂ እውን ኣብ ሓደጋ ዘውደቐ ዝምድና ምስ ኢትዮጵያ፡ ክንድዚ መዓርፎ ነፈርትን ክንድዚ ኪሎሜተር መንገድን ክሃንጽ ኢና ዝብሉ ቅድሚ ሕጂ ህዝብና ክህውትተሎም ዝጸንሑ ንዲክታተር ኢሳይያስ ገዚፍ ኣምሲሎም ከቕርብዎ ዝሓህቅኑ መደንዘዝቲ ዛዕባታት እዮም።

እዚ ክትዕዘብ እንከለኻ ምምሕዳር ኢሳይያስ ትዕቢተኛ ጥራይ ዘይኮነ፡ እምበርከ ዓሻ ምምሕዳርዶ ኣይኮነን ክትብል ትግደድ። ምኽንያቱ እዞም ሕጂ ኣብ ኣኼባታት “ክንገብሮም ኢና” ዝበሃሉ ዘለዉ ናይ ሓሶት ውጥናት ብተደጋጋሚ ተባሂሎምስ ዝተጠልሙ እዮም። ትዝክሩዶ ዲክታተር ኢሳይያስ ኣብ 2013 ምስታ ልሳኑ ኣብ ዝገበሮ ቃለም መጠይቕ “ቁጠባዊ ዕቤት ኤርትራ ኣብ ከመይ ደረጃ ይርከብ?” ተባሂሉ ምስ ተሓተተ “ናይ 3 ኣዋርሕ ግዜ ጥራይ ሃበኒ፡ እቲ ለውጢ ሽዑ ክትርእዮ ኢኻ?” ዝብል መልሲ ሂቡ ካብቲ ዛዕባ ክሃድም እንከሎ። ስለዚ እዚ ክሳብ ክንድዚ ጻዕዳ ሓሶት ዝሕሱ ዲክታቶር ሎሚ  ኣብ  ቅድሚኡ ክትግበር ዝግበኦ ህጹጽ ተባራዒ ዘቤታዊ ጉዳያት ጸቒጡ፡ “ክንድዚ መዓርፎ ነፈርቲ ክንሃንጽ ኢና” ብዝብል ካልእ መዳህለሊ መብጸዓታት ዕድመይ ከናውሕ እኽእል እዩ ኢሉ ዝሓስብ ኣካል ጐራሕ ካብ ምባሉ፡ ዓሻ ወይ ብሕሉፍ ስስዕቲ ዝዓወረ ምባሉ እዩ ዝቐልል።

እምበኣር ሎሚ ጉዳይና ኣብ ኢድና እምበር ኣብ እንዳ ጉጅለ ኢሳይያስ ኢድ ነሲእና እንረኽቦ ከምዘይኮነ ብግቡእ ተረዲእና ኣለና። ድምጺ ይኣክል ክሳብ ክንድዚ በሪኹ ምቅልሑ ከኣ ናይዚ ምልከት እዩ። ሎሚ ከምቲ ደቡብ ኣፍሪቃዊ ሓርበኛ፡ ኔልሰን ማንደላ ካብ ቤት ማእሰርቲ ምስተፈትሐ፡ ‘’ንሓርነትና ኣዝዩ ብዙሕ ጊዜ ተጸቢና። ካብዚ ንላዕሊ ግና ክንጽበ ኣይንኽእልን ኢና። ንቓልስና ኣብ ኩሉ ኩርንዓት ከነሐይሎ ዘሎና ሕጂ ኢዩ። ሎሚ ብቓልሲ እንዛነየሉ ግዜ ኣይኮነን። እንተተዛኒና፡ መጻኢ ወለዶታት ይቕረ ዘይብሎ ጌጋ ክንፍጽም ኢና” ዝበሎ፡ ድምጺ “ይኣክል” ምቅላሕ ናይ ኩልና ኤርትራውያን መድረኻዊ ሓላፍነት እዩ።

ርእሰ-ዓንቀጽ ሰዲህኤ

ሓቢርና ንቃለስ እንብል፡ ናይ በበይንኻ ምዃን ኣሉታዊ ሳዕቤን ስለ እንርዳእ ኢና። ንናይ ሓባር ረብሓ ሓቢርካ ምውፋር ኣብዚ ነካይዶ ዘለና ናይ ለውጢ ቃልሲ ጥራይ ዘይኮነ፡ ኣብ ኩሉ ማሕበራዊ ህይወትና እውን ኣድማዒ እዩ። ብኣንጻሩ ሓቢርካ ናይ ዘይምስራሕ ሳዕቤን ከምዚ ኣብ ቃልስና ኣንጻር ወጽዓ ንዕዘቦ ዘለና ጥራይ ዘይኮነ፡ ኣብ ኩሉ መዳያት ህይወትና’ውን ዝምረጽ ኣይኮነን። እዚ ኣገዳስነት ሓቢርካ ምቅላስ ኮነ ምስራሕ ብደረጃ ሓሳብ ኣብ ኩልና ኤርትራውያን ተቐባልነት ኣለዎ። ኣብ ከመይነትን ኣገባብን ኣተገባብራኡ ግና ፍልልይ ከም ዝጸንሓና ርኡይ እዩ። ናይቲ “ሓድነት ሓይሊ እዩ” ዝብል እምነት ግብራውዊ ውጽኢት ከይንሓፍስ ዓንቂጹና ዝጸንሐ ከኣ ንሱ እዩ።

ብዛዕባ ዝሓለፈ ተመኩሮ ቃልስናን ዓወትናን ክንዛረብ እንከለና “ምስጢር ዓወትና ሓድነትና እዩ” ኢና እንብል። እንብሎ ጥራይ ዘይኮነ ኣብ ግብብራውነቱ’ውን ኣይኮነንዶ ንዓና፡ ንጸላእትና እውን ሓቂ እዩ። ከምኡ ስለ ዝኾነ እዩ ከኣ ንሕና ሓድነትና ምስጢር ዓወትና ስለ ዝኾነ ክንዕቅቦ፡ ጸላእትና ከኣ ምስጢር ዓወትና ብምስራቕ ሓድነትና ከላሕልሑ ክንጓተት ዝጸናሕና። ካብ ነዊሕ ግዜ ጀሚሩ ንኤርትራ ናይ ምስዓር ሕልሚ ዝነበሮም ወገናት ዝጥቀምዎ  ዝነበሩ ናይ ምክፍፋልና ምህዞ እንተዘኪርና’ውን ነዚ እዩ ዘዘክረና። ካብ ኣርበዓታት ጀሚሪካ ክሳብዚ ቀረባ ግዜ ንሓንሳብ ከበሳን መታሕትን ንሓንሳብ ድማ ኣስላምን ክርስትያንን እንዳበሉ ከረሓሕቑና እሞ ሓይልና ኣዳኺሞም መፍተኦም ክገብሩና ዝሃቀንዎ ከኣ ነዚ ዘዘኻኽረና እዩ።

ሓድነትና ምስጢር ዓወትና ዝኸውን ኣብ ቃልሲ ኣንጻር ባዕዳውያን ገዛእቲ ጥራይ ዘይኮነ፡ ኣብዚ እዋንዚ ነካይዶ ኣብ ዘለና ኣንጻር ዘቤታዊ ጨቆንትን ጠላማትን እውን ህያው እዩ። ናይ ሎሚ ጨቋኒ ጉጅለ እውን ሓድነትና ኣብ ስልጣን ናይ ምቕጻሉን ዘይምቕጻሉን ወሳኒ ምዃኑ ስለ ዝግንዘብ፡ ሓቢርና ኣንጻሩ ንከይንቃለስ ክሰርሕ ርዱእ እዩ። ደገፍቱን ተቓወምቱን ተበሃሂልና ኣብ ነንሕድሕድና ክንዳኸመሉ ከኣ ድሌቱን ሕልሙን እዩ። ህግደፍ ግና ምስቶም ደገፍተይ ዝብሎም’ውን የለን።  ብሰንኪ ቀልጢፍና ንተንኮላዊ ኣካይዳኡ ዘይምፍላጥና ከኣ ንነዊሕ ዓመታት ኣዳህሊሉና እዩ። ሎሚ ግና ክሓብኦ ዝጸንሐ ጸረ ህዝቢ ተግባራት ምቅላዕ ተወሲኽዎ፡ ኣብ መንጎ ደለይቲ ሰላም፡ ዲሞክራስን ዕቤት ኤርትራውያን ዝነበረ ምርሕሓቕ ኣዝዩ ኣብ ዝተቐራረበሉ ግዜ ንርከብ ኣለና። እዚ ንዓና ነቶም ኣብ ለውጢ ንኣምንን ምእንትኡ እንቃለስን ዓብይ ፍናን ክኸውን እንከሎ፡ ኣብቲ ብሰንኪ ሓቢርና ኣንጻሩ ዘይምስላፍና ከምድላዩ ክገብር ዝጸንሐ ጨቋኒ ህግዲፍ ግና ስግኣትን ስንባደ ኦኣብሉሉ ኣሎ። ስለዚ ከምቲ ባዕዳውያን ጸላእትና ሓድነትና ዘሪጎም ዓቕምና ከምክኑ ፈቲኖም ዘይተዓወቱ፡ በታኒ ዘቤታዊ ውዲት ህግዲፍ እውን ፍሽለቱ ዘይተርፍ  እዩ።

ሎሚ ንህግደፍ “ኣይናትካን ኢና” ዝብል ናይ ይኣክል መልእኽቲ ብማዕዶ ዘይኮነ፡ ካብ ማእከል ኤርትራ ይበጽሖ ኣሎ። ህግዲፍ ግና ነቲ ኣንጻሩ ዝካየድ ቃልሲ ኣፍልጦ ምሃብ ካብ ስዕረት ዘድሕኖ ግዲ መሲልዎ ክሓብኦን ጸልማት ተጐልቢቡ ኣንጻሩ ዝዝርጋሕ ናይ “ውረድ ካብ ስልጣንካ” ወረቓቕቲ ክኣሪ ይሓድር ኣሎ። እቲ ንህግደፍ ዝጽየፍ ኣተሓሳስባ ግና ኣብቲ ወረቕት ዘይኮነስ ኣብ ተሓሳስባ ናይቶም ነቲ ወረቕት ዘዳልዉ ስለ ዝኾነ ብጸልማት እንተኣከቦ ብቐትሪ ህያው እዩ። ሎሚ ህግዲፍ ሰሚዑ ከምዘይሰመዐ ደኣ ይሓልፎ ይህሉ እምበር፡ ኣብቲ ቀደም ናቱ ሕዛእቲ ዝመስሎ ዝነበረ ኤርትራዊ መድረኻት ሓጥያቱ፡ ገበናቱን ጸረ-ልኡላዊት ኤርትራ ክሕደቱን ኣብ ዝኾነ ኩርናዕ ዝስማዕ ዘሎ እዩ። እዚ ከኣ ንሓቀኛ ድምጺ ንግዜኡ እምበር ንሓዋሩ ምዕባስ ከምዘይከኣል ዘርኢ እዩ። “ሓቅስ ብእግራ ተሓዝካያ ብርእሳ ትወጽእ” ከም ዝበሃል።

እዚ ግና እኹል ኣይኮነን። ንድሕሪት ዘይምለስ፡ ኣብ ግዜ ወጥሪ እውን ጸኒዑ ዝምክት ውዳበ የድሊ። ጽቡቕ ድሌትን ስምዒትን እንተዘይተወዲቡ ቀያሪ ሓይሊ ክኸውን ኣይክእልን እዩ። እዚ ውዳበ ክህልውን ከድምዕን ከኣ ናይ ሓባር ረብሓ ዘለዎም ኣካላት ካብ ውልቀሰብ ክሳብ ውድባ፡ ሰልፍታትን ካልእ ምትእኽኻባት ሓላፍነት ክወስዱ ናይ ግድን እዩ። እቲ ሓላፍነት ምውሳድ ቅሩብነት እንተልዩ ከቢድ ኣይኮነን። ምስ ካልእ ከም ናትካ ባህጊ ዘለዎ ኣካል ብሓባር ኣብ ቃልሲ ክትጽመድ እንከለኻ ካብቲ በይንኻ ክትከውን እንከለኻ ዝስመዓካ ውሱንነት ወጺእካ፡ ኣብቲ ብሓባር ዘስረሓካ ምትኳር ግድነት እዩ። ብዘይካዚ ሓቢርካ ንክትሰርሕ ክትምረሓሉ ንዝሓዝካዮ ኣዕኑድ ብጹረት፡ ምክእኣልን ተወፋይነትን ክትምእዘዘሉ ምብቃዕ ካልእ ዝኸፈል ዋጋ እዩ። እትራኸበሉ ናይ ሓባር መድረኽ  ንውሱን ግዜ ጥራይ ዘገልግልን  ዘይመሰረታዊ ጉዳያት ንምዕዋትን ዘይኮነ፡ ነዊሕ ዝጠመተን ጉዳይ ህዝብን ሃገርን ቀንዲ ማእከሉ ዝኾነን ክኸውን ይግበኦ። ቀንዲ መምዘኒኻ ከኣ በሃልቲ ዘይኮነስ፡ ትሕዝቶ ናይቲ ዝበሃል ክኸውን ይግበኦ።

ብመንጽር እዚ ደንበ ተቓውሞና ብሓባር ዝሰርሓሉ መንገዲ ንምፍጣር ክሳብ ሕጂ ዘካየድናዮ ጻዕሪ ኣይተዓወተን። ዘይመዕወቲኡ ምኽንያት ግና ሓቢርካ ምቅላስ ኣድላይነት ስለ ዘየብሉ ዘይኮነ፡ እቶም ብሓባር ክንሰርሕ ዝግበኣና ሰለ ዘይበቓዕናዮ ኢና። እቲ ኣድላይነት ግድን ካብ ኮነ ከኣ እቲ ጻዕሪ’ውን ክቕጽል ግድን ስለ ዝኾነ፡ እነሆ ሎሚ’ውን በብኹርናዑ ናይ “ሓቢርናንዶ ገለ ንግበር” ድምጽና ይስማዕ። ኣብቲ እንደልዮ ሰፊሕ ናይ ሓባር መቃለሲ መድረኽ ብሓደ ስጉምቲ ዘይክንበጽሖ ንኽእል። ክንጅምሮ ግና ናይ ግድን እዩ። ሰልፊ ዲሞክራሲ ህዝቢ ኤርትራ ቅድሚ ክልተ ዓመት፡ ነቲ ናይ ነዊሕ ግዜ ናይ ሓቢርካ ምስራሕ እማመኡ ኣሕዲስዎ። ከም ናቱ ተበግሶ ምስ ዝወሰዱ ኣካላት ከኣ፡ ምስ ገሊኦም ናብ ምሉእ ሓድነት ምስ ገሊኦም ድማ ናብ ሰፊሕ ጽላል ይስጉም ኣሎ። ኣብ ሓድነት ኮነ ኣብ ጽላል ንምብጻሕ ከቢድ ጻዕርን ግዜን ዝወስድ ግና ዝከኣል እዩ። ናይ ክሳብ ሕጂ ጉዕዞና ኣዝዩ ተስፋ ዝህብ እዩ። እዚ ሒዝናዮ ዘለና ጉዕዞ እኹል ዘይኮነስ፡ ናብቲ እንጽበዮ ምልኣት ንምብጻሕ ናይ ብዙሓት ተሳትፎ ግድን ስለ ዝኾነ እቲ ናይ እንካን ሃባን መስርሕ ቀጻሊ እዩ። ምኽንያቱ ምስዚ ሎሚ ንህዝብናን ሃገርናን ዘንጸላልዎም ዘሎ ብዙሕ መልከዓት ዘለዎ ስግኣት ሓቢርካ ምቅላስ እንተደለኻ እትድግፎ እንተዘይደለኻ እትገድፎ ዘይኮነ፡ ግድን ክሳብ ዓወት ክንደፍኣሉ ዝገበኣና ግድነት እዩ።

ርእሰ-ዓንቀጽ ሰዲህኤ

8 መጋቢት ዓለም ለኸ መዓልቲ ደቂ ኣንስትዮ ኣብ እንዝከረሉ ግዜ ንርከብ ኣለና። ኣብ ኣመዓባብላ እዛ ዕለት ካብ 1909 ኣብ ሕቡራት መንግስታት ኣሜሪካ ጾታዊ ወጽዓ ዘንቀሎ ምልዕዓል ደቂ ኣንስትዮ ከም ዝጀመረን ድሕሪ ሓደ ዓመት ድማ ኣብ ከተማ ኮፐንሃገን ኣስታት 100 ደቂ ኣንስትዮ ዝተሳተፋሉ ብዛዕባ ወጽዓአን ዝዝቲ ኮንፈረንስ ከም ዝተኻየደ ይፍለጥ። ድሕሪዚ ብ1911 ኣብ 19 መጋቢት ኣብ ሃገራት ኦስትሪያ፡ ደንማርክ፡ ጀርመንን ስዊዘርላንድን ዝያዳ ሓደ ሚልዮን ደቂ ኣንስትዮን ደቂ ተባዕትዮን ዝተሳተፍሉ ማዕርነት ደቂ ኣንስትዮ ዝጠልብ ሰላማዊ ሰልፍታት ከም ዝተኸየደ፡ ታሪኽ ቃልሲ ደቂ ኣንስትዮ ይሕብር። እዚ ምንቅስቓስ ደቂ ኣንስቶዮ ኣብ 1913-14 ቀዳማይ ውግእ ዓለም ጠጠው ንክብል ግደ ከም ዝነበሮን፡ ኣብ ኤርትራዊ ሜዳ ካብ 1975 ጀሚሩ ድማ ብቀዋምነት ኣብ 8 መጋቢት ብደረጃ ይኽበርን ይዝከርን ከም ዘሎ ይፍለጥ። ሕቡራት ሃገራት ከኣ ኣቐዲሙ ብ1945 ማዕርነት ደቂ ኣንስትዮ ዘውሕስ ቻርተር ኣጽዲቑ።

እነሆ ናይ 2019 ዓለም ለኻዊ መዓልቲ ደቂ ኣንስትዮ 8 መጋቢት ከኣ “ብማዕርነት ምሕሳብ፡ ብልሓት ምምዕባልን ንለውጢ ምዕጣቕን” ብዝብል ቴማ ይዝከር ኣሎ። ብዙሓት ከም ዝሰማምዕሉ ደቂ ኣንስትዮ ማዕረ ክፋል ሕብረተሰብ ኣብ ልዕሊ ምዃነን፡ ጓለንስተይቲ መሰረት ሕብረተሰብ ስለ ዝኾነት ናታ ዓወት ናይ መላእ ሕብረተሰብ ዓወት እዩ። ምስዚ ኩሉ ማዕረ ተሳትፎን ተጠቃምነትን ደቂ ኣንስትዮ ብኣዋጅ ዘይኮነስ ብግብራዊ ቃልሲ ከም ዝረጋገጽ ተመኩሮና ይምህረና። እቲ ንማዕርነት ደቂ ኣንስትዮ ዝግበር ቃልሲ ከኣ እንተላይ ብተሳትፎ መላእ ሕብረተሰብ እምበር ብናተን ድሩት ቃልስን ጻዕርን ክረጋገጽ ጥራሕ ከምዘይክእል ካልእ ካብ ተመኩሮ ዘረጋግጽናዮ ሓቂ እዩ።

ኣብ ኩነታት ኤርትራውያን ደቂ ኣንስትዮ ክንመጽእ እንከለና፡ ብሓፈሻ ኣብ ኩሉ ህይወት፡ ብፍላይ ከኣ ኣብቲ ምእንቲ ናጽነት ኤርትራ ዝተኻየደ ነዊሕን መሪርን ቃልሲ ንኹሉ ጸገማት ክኢለን፡ ንካለኦት ደቂ ኣንስትዮ’ውን ናይ ጽንዓትን ትብዓትን ኣብነት ከም ዝነበራ ምስኩር እዩ። ነዚ ኩነታት ኣብ ድሕሪ ናጽነት ኤርትራ ክንመዝኖ እንከላን ግና፡ ናብ ካልእ ጫፍ ከይዱ እተን ዝያዳ ዝተበደላን ምስ ተሳትፎአን ኣብ ቃልሲ ዘይመጣጠን መነባብሮ ዘሕልፋን ኮይነን ኣለዋ። መላእ ህዝቢ ኤርትራ ኣብ ትሕቲ ባርነት ህግደፍ ኣብ ዝሃለወሉ፡ ደቂ ኣንስትዮ በይነን  ከምዘይርህወን’ኳ ፍሉጥ እንተኾነ፡ ተፈጥሮኣዊ ናይ ኣደነት ትዕድልተን ተወሲኽዎ፡ ናታተን ወጽዓ ዝገደደ ከም ዝኸውን ብብዙሕ ኣብነታት ምርግጋጹ ዝከኣል እዩ።

8 መጋቢት ደቂ ኣንስትዮ ዝሓለፈ ወጽዓአን ንከይርሳዕ ዝዝክራሉ እምበር፡ ሕሉፍ ናይ ክሳብ ሕጂ ወጽዓአን ምዝርዛር ከም ቀንዲ ኣጀንዳአን ዝወስዳሉ ክኸውን ኣይግበኦን። ብኣንጻሩ ናይ ዝሓለፈ እሱራት ከይኮና መጻኢ ናብ ብሩህ ማዕረ ተሳተፍነትን ተጠቃምነትን ዝመርሕ መንገዲ ዘማዕድዋሉ እዩ ክኸውን ዝግበኦ። ብጽሒት ደቂ ተባዕትዮ ኣብ ቃልሲ ምእንቲ ማዕርነት ደቂ ኣንስትዮ ኣነኣኢስካ ዝረአ’ኳ እንተዘይኮነ፡ እቲ ወሳኒ ግደ ናይ ደቂ ኣንስትዮ እዩ።

ሎሚ ኣብ ኤርትራዊ ደንበ ተቓውሞና፡ ተሳትፎ ደቂ ኣንስትዮ ከምቲ ዝድለ ዘይምህላዉ ከም ቀንዲ ኣሻቓሊ ካብ ዝውሰድ ነዊሕ ግዜ ኮይኑ ኣሎ። ነዚ ሻቕሎትዚ ንምፍዋስ ከኣ ዝተፈላለዩ ወገናት ከም ቀንዲ ዕማሞም ይወስድዎ ኣለዉ። ብመንጽር እዚ ሰልፊ ዲሞክራሲ ህዝቢ ኤርትራ (ሰዲህኤ) ንጉዳይ ደቂ ኣንስትዮ ነብሱ ብዝኸኣለ ቤት ጽሕፈት ኣብ ርእሲ ምቛሙ ኣብ ፖለቲካዊ መደብ ዕዮኡ “ደቂ ኣንስትዮ መሰለን ብሕጊ ተሓልዩ፡ ብግብሪ ኣብ ኵሉ ህይወት ሕብረተ-ሰብ ኤርትራ ማዕረ ተሳትፎ ከምዝህልወን ንምግባር፡ ከይተሓለለ ክሰርሕ እዩ።” ዝብል ሓሳብ ኣስፊሩ ንረኽቦ። እንተኾነ እዚ መበገስን መርኣያ ድልዉነቱ ንማዕረ ተሳታፍነትን ተጠቃምነትን ደቂ ኣንስትዮ እምበር፡ ጌና ብዙሕ ቃልሲ ከም ዝጽበዮ ይኣምንን ኣብዚ ታሪኻዊ ኣጋጣሚ ንምዕዋቱን ዘለዎ ቅሩብነት  የረጋግጽን።

መዓልቲ ደቂ ኣንስትዮ ከም ዝኾነ ተርእዮ ብእዋናዊ ምዕባለ ክጽሎ ባህርያዊ እዩ። በምንጽር’ዚ ኤርትራውያን ደቂ ኣንስትዮ ኣብዚ ዓመትዚ ዘቃልሕኦ ቴማ፡ ኣብ ህልዊ ኩነታት ሃገርናን ህዝባን ዘትከለ፡ ነቲ ኣብ ወትሃደራዊ መደበራት ኤርትራ፡ ኣብ መዓስከር ስደተኛታትን ኣብ ጉዕዞ ናብ ስደትን ዝፈስስ ዘሎ ንብዓት ኣሓተን ንምሕባስ፡ ዝዓለመ ክኸውን ይግበኦ። ኣብዚ እዋንዚ መላእ ህዝቢ ኤርትራ ብሓፈሻ ብፍላይ ድማ ደቂ ኣንስትዮ፡ ዝያዳ ዝሐለፉ ዓመታት ብጸረ ህዝቢ ተግባራትን ጥልመትን ህግደፍን መራሒኡ ዲክታቶር ኢሳይያስ ኣፈወርቅን ኣብ ኣዝዩ ዘማረረሉ ኢና ንርከብ ዘለና። ህዝብና ክንድቲ መረርኡ ኣንጻር ወጽዓ ይለዓዓል ምህላዉ ከኣ ተስፋ ዝህብ እዩ። ስለዚ ኤርትራውያን ደቂ ኣንስትዮ፡ ነዚ ኣብ ግምት ከእትወኦ ይግበአን። ደቂ ኣንስትዮ ጾታዊ ተጽዕኖ ስዒረን ማዕረ ተሳተፍትን ተጠቀምትን ንክኾና ቀንዲ መሳርሒአን ሓድነት ምድልዳል ምዃኑ ኣሚነን ኣብዚ ንርከበሉ ዘለና እዋን፡ ብሰንኪ ዘይመሰረታዊ ምኽንያታት ዝተረሓሓቐ ዓቕመን ናብ ሓደ ዘምጸኣሉ መንገዲ ክፈጥራ ይግበአን። ብዘይካዚ ቃልሰን  ብዘይተሳተፎ ደቂ ተባዕትዮ ክዕወት ከምዘይክእል ተረዲአን፡ ደቂ ተባዕትዮ መተሃላልኽተን ዘይኮኑ ተደጋገፍተን ምዃኖም ተገንዚበን ነዚ ዝብቀዐን ኣገባብ ክሕዛ ከድልየን እዩ።  ኤርትራውያን ደቂ ተባዕትዮ እውን ዓወት ጓለንስተይ ዓወት መላእ ሕብረተሰብ ምዃኑ ተገንዚቦም ኣብ ጐነን ክስለፉ ይግበኦም።

8 መጋቢት መዓልቲ ደቂ ኣንስትዮ ንዘለኣለም ትንበር!

ርእሰ-ዓንቀጽ ሰዲህኤ

ቅድሚ ሕያሎ ዓመታት ዝምድና ህዝቢ ኤርትራን ህግዲፍ ኣብ ኤርትራዊ መድረኻትን ኣዛራቢ ዛዕባ ነይሩ። ነቲ ዝምድና ደግፍቲ ህግዲፍ ከም “ማይ ጸባን” ክገልጽዎ እንከለዉ፡ ኣንጻር’ዚ ዝተሰለፍና ወገናት ድማ ከም “ከብድን ሕቘን” ንምስሎ ነይርና። ኣብዚ እዋንዚ ግና በቲ ሓደ ወገን፡ እቶም ካብ ቅድም ሓደገኛነት ህግዲፍ ዝተርድኡ ሓይልታት ብዘካይድዎ ቃልሲ፡ በቲ ካልእ ወገን ድማ ህግዲፍ ብተግባሩ ኣበሳኡ ሓቢኡ ዝኸደሉ ግዜ ስለ ዘብቀዐ፡ ርክብ ህዝቢ ኤርትራን ህግዲፍን “ናይ ከብድን ሕቖን ዝምድና እዩ” ዝብል ርኢቶ እነሆ ኣዝዩ ሰሲኑ ብዝኸድካዮ ኩርናዕ ዝስማዕ ድምጺ ኮይኑ ኣሎ። ህግዲፍ እውን ከም ልማዱ ሓቀኛ መንነቱ ሓቢኡ ዝኸደሉ ዕድል ጸቢብዎን ኣጀንዳ ቀይርካ ናይ ምህውታት ብልሓቱ ምስራሕ ኣብይዎን፡ ኣብ ጐልጐል ዝወገሖ ዝብኢ ኮይኑ ኣሎ።

ሎሚ ህግደፍ ካብቲ ቅድም ዝተገመቶ ዝያዳ እዩ ኣብ ግጉይ ኣቕጣጫ ተሰሊፉ ዘሎ። ቅድም ፖለቲካዊ መንነት ጉጅለ ህግዲፍ ብጸረ ዲሞክራሲ፡ ግህሰት ሰብኣዊ መሰልን ጥሕሰት ልዕልና ሕግን እዩ ዝግለጽ ነይሩ። ሎሚ ከኣ እዚ ባህርያቱ ከም ዘለዎ ኮይኑ፡ እታ ኮንደኾን ምስ ህዝቢ ኤርትራ ተሳንዮ ትበሃል ዝነበረት ጉዳይ ልኡላውነት ኤርትራ’ውን ሓጢጡ ክድርብያ ይገማገም ስለ ዘሎ፡ ምስ ህዝቢ ዘዛረብ ቋንቋ ናብ ዘይብሉ ንጹልነት ዘቕንዕ ዘሎ ይመስል። ምናልባት ነቲ ቅድም ህግዲፍ ከምስል፡ ካብ ክሳድ ንላዕሊ ዝያዳ ኩሉ ተሓላቒ ልኡላውነት መሲሉ ዝቐርቦ ዝነበረ እንዳዘከሩ “ኢዶእ እዝስ ኣይውዕሎን ግዲ” እንዳበሉ ነቲ ዝስማዕን ዝድህሰስን  ሓቂ ምእማን ዝሰኣኑ ኤርትራዊ ወገናት ኣይሰኣኑን። ምእማኑ እንተጽገሞም እውን እምብዛ ዘገርም ኣይኮነን። በቲ ኮነ በዚ ግና ኣብ መስርሕ ኣይከውንን ኢልካ ዝገምትካዮ ከም ዝኸውን ክርድኡ ይግበኦም። ምኽንያቱ እቲ ምልክታት ምላቑያታት ዘይኮነስ፡ ኢሳይያስ ኣብ ኣደባባያት ተጠሊዑ፥ “ ኢትዮጵያዊ ቀዳማይ ሚኒስተር ዶ/ር ኣብይ ኣሕመድ ዓሊ፡ ክመርሓና ወኪለዮ እየ፡ ህዝቢ ኤርትራን ኢትዮጵያን በበይኑ ህዝቢ እዩ ዝብሉ ነቲ ሓቂ ዘይፈልጡ እዮም” ብዝብሉ ዘየማትኡ ምሉእ ሓሳባት ዝዳሕደሖ ስለ ዝኾነ። ዝተፈላለየ መራሕቲ ኢትዮጵያ ብዛዕባ መጻኢ ዕድል ኤርትራን ህዝባን ንዓኣቶም ብዝሰማማዕ “ምድማር” ብዝብልዎ ቅኒቶም፡ ክምድሩ እንከለዉ ናይ ኢሳይያስን ደገፍቲ ዓራቱን ሰሚዕካ ከምዘይሰማዕካ ምዃን ከኣ መራጐዲ መልእኽቲ ዘለዎ እዩ። እዚ “ስቕ ዝበልና ስቕ ስለ ዝመረጽና ኢና” ብዝብል ኣረጊት ውርጽጽና ዝስገር ኣይኮነን።

ደጊም ደገፍቲ ኢሳይያስ እንተኾነ ኣይውዕልዎን፡ ካብዚ ሓሊፎም ንኣበሃህላ ኢሳይያስ ካብቲ ቀጥታዊ ትርጉሙ ወጻኢ ተርጒሞም ከመላኽዕዎ እንተፈተኑ ሰማዒ ኣይክረኽቡን እዮም። እቲ ኣብ ቅድሚኦም ዘሎ ሓደ ምርጫ ከኣ ምስ ህዝብኻ ወጊንካ ዋጋ ብዙሓት ሰማእታት ዝኾነት ሃገር ኣብ ናይ ምድሓን መስርዕ ምስላፍ ጥራይ እዩ። ሎሚ በብኹርንዑ፡ ንተንኮላትን ክድዓትን ኢሳይያስ ዝተረደአን ብዓንተቦኡ ክዕጸፍ ከም ዝግበኦ ዝጠልብን ደሃያት ክደሃይ ምስማዕ ኣብ ኤርትራውያን ንቡር ኮይኑ ኣሎ። ናይቶም በብኹርናዑ ዝጋብኡ ዘለዉ ሰሚናራት፡ ዓውደ-መጽናዕትታት፡ ኣኼባታትን ሰልፍታትን መንፈስ ነዚ ዘመልክት እዩ። እዚ እንፈት’ዚ ኣንጻር ጉጅለ ህግዲፍ ኣብ ዝካየድ ናይ መሰረታዊ ለውጢ ቃልሲ ኣገዳሲ እዩ። ናይ ብሓቂ ኣገዳስን ቀያርን ዝኸውን ግና ኣብ ሓደ ናይ ለውጢ ማዕበል ክስለፍን ብእኡ ክሕንበብን እንከሎዉ ጥራይ እዩ። እዚ ኣብ ሓደ ኣካቢ ጽላል ምምጻእ ኣብ መስርሕ ለውጢ ወሳኒ ምዃኑ ከኣ ተመኩሮና የርእየና ኣሎ። ንሕና ከም ናይ ለውጢ ሓይሊ ዋሕስና ናይ ለውጢ ኣተሓሳስባ ምሓዝና ጥራይ ዘይኮነ፡ ነዚ ዝተበተነ ግና ሓደ ዝመንቀሊኡን ሽቶኡን ኣተሓሳስባ ኣብ ሓደ ትካላዊ ጽላል ከነሰልፎ ምስ እንበቅዕ ጥራይ እዩ።

ንኩነታትና ምስቲ ኣብ ኤርትራ ብቕልጡፍ ዝሕንበብ ዘሎ ናይ ኣተሓሳስባ ለውጢ ኣመዛዚኖም፡ ኣብ ጉዕዞና ምድንጓያት ነርኢ ከም ዘለና ከመልክቱልና ንዕዘብ ኢና። ሚዛኖም ሓቅነት ኣለዎ። እንተኾነ ኣብ ሓደ ጽላል ምጽማድ ከምቲ ወሳንነቱ ዘኽፍሎ ዋጋ ብኹሉ መልክዕ ቀሊል ከምዘይኮነ ግና ክዝንግዑ ኣይግበኦምን። ኣብዚ ሓደ ክዓዝዝ ዘለዎ ኣብ ናይቲ ተግባር ክብደት ተሓቢእና ግዜ ብምብላዕ ወጽዓ ህዝብና ንክናዋሕ ጠንቂ ከይንኸውን ክንጥንቀቕ ይግበኣና። ብሓባር ምስላፍ ብናይ ኩሎም ናይ ለውጢ ሓይልታት ቅሩብነት ዝዕመም እምበር ናብ ሓደ ሰልፊ፡ ውድብ፡ ማሕበር ወይ ካልእ ውዳበ ብሓላፍነት ዝድረብ ኣይኮነን። ስለዚ እቲ ክኸውን እንደልዮ ንምግሃድ ጻዕርና ከካብ ገዛእ ርእስና ክጅምር ናይ ግድን እዩ።  ውልቃዊ ኣበርክቶኻ ዘንጊዕካ፡ ናብ መሪሕነት ምምጥጣር፡ ናይ ውድብካ ወይ ሰልፍኻ ግደ ዘንጊዕካ ኣጻብዕትኻ ናብ ካለኦት ውድባት ምቁማት’ውን ጽጹይ ኣካይዳ ኣይኮነን።

ኣብ ሕድሕድ ሰልፍታት፡ ውድባትን ማሕበራትን ፍልልያት ከም ዘሎ ርዱእ እዩ። ከምኡ እንተዘይከውን ከኣ’ሞ ካብ ሓደ ውዳበ ንላዕሊ ኣይመኾናን። ኣብዚ እቲ ፍልልያትና ብዓይኒ ጉዳይ ህዝብን ሃገርን ርኢና ከነወግዶ ክንበቅዕ መተገብአ። ፍልልይና መሰረታዊ ኮይኑ፡ እዚ ክንገብር እንተዘይበቒዕና ከኣ ነቲ ንፈላለየሉ ኣመሓዲርናዮ ንቕድሚ ክንስጉም ይግበኣና። እዚ እንተዘይ ሓሚቕና ወይ እንተዘይጸቢብና ዝከኣል እዩ። ነዚ ከነብቅዕ ንፍልላያት ኣመሓዲርና ኣብቲ ዘሰማምዓና ክነትክል ሓላፍነትና እዩ። ነዚ ክንበቅዕ ፍልልያትና እንወዳደረሉ እምበር እንጻለኣሉ ክኸውን ከምዘይብሉ ክንርዳእ ይግበኣና። ሎሚ ከምቲ “ተሓቢአን ይጠንሰኦ’ሞ ሰብ ኣኪበን ይሓርሰኦ” ዝበሃል፡ ህግዲፍ መህደሚ ኣብ ዘየብሉ መጻብቦ ተቓሊዑ እዩ። እዚ ሓድሽ ኩነታት ከኣ ካብቲ ዝነበርናዮ ዝያዳ ክንነቅሕን ከንበራበርን ሓላፍነት ዘሰክመና እዩ። ናይ ምክእኣልን ምጽውዋርን ሓላፍነትና ከኣ ማዕረዚ ኣብ ቅድሜና ተገቲሩ ዘሎ ሓላፍነት ክብ ክብል ይግበኦ። እምበኣር ኣብዚ እዋንዚ ኣብ ቅድሜና ካብ ዘለዉ ሓላፍነታት፡ ርኢቶታትና ናይ ምምሕዳር ሓላፍነት ቁጽሪ ሓደ ምዃኑ ንገንዘብ። ነዚ ሓልፍነትዚ ጓሲናዮ እንሓልፈሉ መንገዲ ሓቢርካ ምዕዋት ከምዘየለ ከኣ ንረዳእ።

ርእሰ-ዓንቀጽ ሰዲህኤ

ኣብ መንጎ ሃገራት ጽልእን ቅርሕንትን ክፍጠር እንከሎ፡ እቲ ጠንቂ መንግስታት እምበር ህዝብታት ኣይኮኑን። ግደ ህዝቢ ሰላምን ጽቡቕ ዝምድናን ኣብ ምፍጣር ከኣ ከከም ባህርን ኣገባብ ምምሕዳርን ናይቶም መንግስታት ይፈላለ። ብህዝቢ፡ ካብ ህዝብን ንህዝብን ብዝምርሑን ግደ ህዝብን መንግስትን ብሕጊ ኣብ ዝተነጸረሉን መንግስታት፡ ግደን፡ ተሰማዕነትን ወሳንነትን ህዝቢ ከም ዝዓዝዝ ብሩህ እዩ። ብኣንጻሩ ብፈቓድ ህዝቢ ናብ ስልጣን ዘይመጹ፡ ግደ ህዝቢ ሕገ-መንግስታዊ ውሕስነት ኣብ ዘየብሉ፡ ዕድመ ስልጣኖም ኣብ ዘቐድሙ፡ ከም ናይ ሃገርና ኤርትራ ዝኣመሰሉ ጨቆንቲ ምምሕዳራት፡ ህዝቢ “እዚ እዩ ዝሕሸኒ” ዝብሎ መንገዲ ክመርጽን፡ መንግስቲ መንገዲ ሰላም ንክሕዝ ተጽዕኖ ንክፈጥርን ዘለዎ ዕድልን ጽልዋን ኣዝዩ ትሑት እዩ። ምናልባት እውን ኣይክእልን።

ኣብዚ እዋንዚ ኣብ ኤርትራ፤ ኣብ መንጎ ህዝብን መንግስትን ዘሎ ዝምድና ሓርፋፍ ጥራይ ዘይኮነ ምትእምማን ዘየብሉ  ኩርኳሕ እዩ። ከምዚ ዓይነት ዝምድና ዝፈጠሮ ሃጓፍ ከኣ ሰፊሕ እዩ። እዚ ሰፊሕ ሃጓፍ ተመሊኡ ጥዑይ ዝምድና ህዝብን መንግስትን ኤርትራ ንክፍጠር፡  ክፍትሑ ዝግበኦም መሰረታዊ ጉዳያት ከም ዘለዉ፡ ወርትግ ህዝቢ ኤርትራን ናይ ለውጢ ሓይልታቱን ዝዛረብሉ ጥራይ ዘይኮነ ዝቃለስሉ ዘለዉ ዛዕባ እዩ። ህግዲፍ ነቲ፡ ኣብ ኤርትራ፡ ሕገመንግስታዊ ስርዓት ይተኣታቶ፡ ልዕልና ሕጊ ይረጋገጽ፡ ብህዝቢ ንህዝቢ ካብ ህዝቢ ዝቐውምን ዝሰርሕን መንግስቲ ይመስረት፡ ልኡላውነታና ኣብ ዋጋዕዳጋ ኣይውረድ ዝብሉ፡ መሰረታዊ ጉዳያት እቲ ሕጂ ዘሎ ሃጓፍ ንክውገድ ክትግበሩ ዝግበኦም እዮም። ብመንጽር ባህርኡን ናይ ክሳብ ሕጂ ተመኩሮኡን፡  እዚ ዝተጠቕሰ መሰረታዊ ጉዳይ ኣብ ህላወ ህግዲፍ ተተግቢሩ እዚ ኣብ መንጎ ህዝብን መንግስትን ዘሎ ሃጓፍ ክፍታሕ ዘለዎ ዕድል ጸቢብ ጥራይ ዘይኮነ፡ ዘኣይከኣል’ዩ። ከምኡ ስለ ዝኾነ እዩ ከኣ፡ ህዝቢ ኤርትራ ኣብ ዙርያ “መሰረታዊ መሰልናን ልኡላዊ ክብርናን ብቓልስና” ዝብል ቴማ ዝዓስል ዘሎ።

እቲ ኣዝዩ ዘገርም እምበር፡ ህግዲፍ ኣድላይነት ኣብ መንጎ ህዝብን መንግስትን ኤርትራ ዝህነጽ ጥዑይ ዝምድናን ምትእምማን  እንዳ ነጸገ፡ ኣብ ዝምድና ህዝቢ ኤርትራን ህዝቢ ጐረባብቲ ሃገራት ክሰርሕ ምድንዳኑ እዩ። እዚ ኣብዚ ለንቅነ ንዕዘቦ ዘለና  ካብ 60 ንላዕሊ ኣባላት ዘለዉዎ ኤርትራዊ ጉጅለ መገሻ ናብ ኢትዮጵያ  ከኣ፡ ናይዚ “ናትካ ኣቐሚጥካ ደገ-ደገ ምርኣይ” ኣብነት እዩ። ህግዲፍ ከምዚ ዓይነት ናብ ደገ ምህዳም ዝመርጸሉ ምኽንያት ኣብ ቅድሚ ህዝቢ ኤርትራ ዝቐርበሉ ባህርን ሞራልን እንዳረሓቖ ይኸይድ ስለ ዘሎ እዩ። እቲ ካልእ ሜልኡ ድማ ምስ ህዝቢ ዘለዎ ዝምድና ኣብ ምትሕስሳብን ምትሕታትን ዝምርኮስ ዘይኮነ፡ ኣብ ምፍርራሕ ከም ዘድህብ ምግባሩ እዩ። እዚ ማለት ህዝቢ ኤርትራ ኣብዚ እዋንዚ ፊት-ንፊት ንህግዲፍ ዘይሓቶ፡ ሕቶ ስለ ዘየብሉ ዘይኮነስ፡ ድሕሪ ሕቶ ዝኽተል ሳዕቤን ስለ ዘስግኦ እዩ። ኣብዚ እዋንዚ ግና ህዝብና  ምስ ህግዲፍ ፊት ንፊት ዝፋጠጠሉ ናጻ መድረኽ’ኳ እንትዘይረኸበ፡ ኣብ ዘዘለዎ ኮይኑ ልቡ መሊኡ ምትንፋስ ከም ዝጀመረ ብዙሓት ንኩነታት ኤርትራ ዝተዓዘቡ ዝምስክርዎ እዩ። እዚ ናይ ሎሚ ምትንፋስ ጽባሕ ንህግዲፍ ሒዝዎ ናብ ዝዕዘር ዘይምሕር ህቦቡላ ከም ዝምዕብል ፍሉጥ እዩ።

ምስሊ ሓደ ኣካል ካብቲ ዋና ዝያዳ ነቶም ዝዕዘብዎ ከም ዝረኣዮም ፍሉጥ እዩ። ከምኡ ስለ ዝኾነ እዩ ከኣ “ዓርክኻ መስትያትካ እዩ” ዝበሃል። ብሓፈሻ ኩሎም መንግስታት ብፍላይ ከኣ መንግስታትን ህዝብታትን ጐረባብትና ሃገራት፡ ንምስሊ ምምሕዳር ህግደፍ ብግቡእ ይፈልጥዎ እዮም። ኣብቲ ምንጽብራቑ ግና ነቲ ሓቀኛ ምስሉ ከም ዘለዎ ዘይኮነ ምስ ነናቶም ሃገራዊ ረብሓ ከም ዘዋድድዎ ፍሉጥ እዩ። ኣብዚ እዋንዚ ዋላ ሃገራዊ ረብሓኦም የቐድሙ ንምምሕዳር ዲክታቶር ኢሳይያስ ዝንእድ የለን። ዘመኻንይሉ ወገናት ግና ኣይሰኣኑን። ኢሳይያስ ናብ ኢትዮጵያ ክገይሽ እንከሎ፡ ፈረስ፡ ገመል፡ ዋልታ፡ ቡንን ጋብን፡ ናብ ሃገራት ወሽመጥ ክገይሽ እንከሎ ከኣ መዳልያን ወርቅን ዝስለም ብመንጽር እዚ እዩ። ከምቲ ኣብ ኢትዮጵያ ኣፍልቡ ክወቅዕ ዝተዓዘብናዮ እቲ ዲክታቶር ግና ናይ ብሓቂ ገይሩ ዝወሰዶ እዩ ዝመስል።

ኣብ ኢትዮጵያ ብዘይካ ናብ መቐለ፡ ናብተን ናይ ኢህወደግ ኣባል ውድባት ማእከላት ዝኾነ ከተማታት ዝበጽሕ ዘሎ፡ ኣባላቱ ብጸቢብ መዕቀኒ ህግዲፍ ዝተመርጹ ጉጅለ ልኡኽ ኤርትራ “ህዝባዊ ዲፕሎማሲ” ዝብል ዕማም ክወሃቦ እንከሎ ንዓና ኣዝዩ ይገርመና። ንኢትዮጵያውያን እውን ከም ዝገረሞምን ካብ ጉዳይካ ናይ ምህዳም ጉርሒ ምዃኑን ኣይሰሓትዎን። ባህርዳር ካብተን ኢሳይያስ ኣብዚ ቀረባ ግዜ ሸንዳሕ-ዳሕ ክብለለን ዝቐነ ከተማታት ኢትዮጵያ ክነሳ፡ ኣብቲ በዓል በረኸት መንግስተኣብ ዝተዓደምሉ ኣዳራሽ ተሳታፊ ኣዝዩ ቁንጣሮ ምዃኑ ከዛርብ ዝቐነየ እዩ። በቲ ይበሃል በዚ ከኣ መልሲ እዩ። መልሲ ብመልሱ ከኣ “ቅድም ምስ ህዝብኹም ዘለኩም ዝምድና ዘይተሕውዩ” ዝብል መልሲዩ። ናይቲ ካልእ ከተማታት ተመኩሮ እውን ካብዚ ዝተፈልየ ኣይነበረን። ስለዚ ህግደፍ ምስሉ ከጸባብቐሉ ዝሓሰቦ መደብ መሊሱ ስለ ዝደወኖ ኢና “ክረኣያ ክብላስ ይእረያ” ዲና ክንብሎ ወይስ “ክቑነና ከይደን ተነጽየን ይምለሳ” ዝበልናዮ።

እቲ ካልእ ኣብዚ ክለዓል ዝግበኦ፡ ቃልሲ ህዝቢ ኤርትራ ንክዕወትን ባህልና ክምዕብልን ዓብይ ኣበርክቶ ዝነበሮም ነባራት ክኢላታት፡ ኣብ ሃገሮም ድምጺ ህዝቦም ኮይኖም ብሕም ዘይበሉ፡ ኣብዚ ካብኣቶም ሓሊፉ ንህዝቢ ኤርትራ ዘዋርድ ምስሊ ህግዲፍ ናይ ምጽብባቕ ፍሹል ፈተነ ምእታዎም እዩ። ትማሊ ነብሶም ክኢሎም ዝቖሙሉ ስብእና ኣስኢኑ፡ ንኢትዮጵያ ጽረፉ እንተተባህሉ ዝጸርፉ፡ ንኢትዮጵያ ንኣዱ እንተተባህሉ ዝንእዱ፡ ንሓንሳብ ከረባት እንዳኣሰረ ንሓንሳብ ድማ ወተሃደራዊ ድቪዛ ዝኸድኖም ክኾኑ ምርኣይ የሕዝን። እንተ ኣብቲ ሓቀኛ ኣድላይነት ዝምድና ህዝቢ ምስ ህዝቢ ደገፍቱ እምበር ተቓወምቱ ኣይኮናን።

ርእሰ-ዓንቀጽ ሰዲህኤ

ሓድነት ዝተበተነ ዓቕሚ፡ ንዋትን ግዜን ኣወሃህዱ ዘተኣማምን ብቕዓት ስለ ዘውሕስ ኣብ ኩሉ መዳያት ህይወትና ግደኡ በሪኽ እዩ። ከምዚ ስለ ዝኾነ ኢና ከኣ “ዝሓበራ ኣጻብዕቲ ኣርቃይ የጸንበዓ” ኢልና እንምስል። “ሺሕ ፈልጺ መእሰሪኡ ልሕጺ” ዝብል ዘረባ ኣበው እውን መንፈሱ ግደ ሓድነት ምዕዛዝ እዩ። ብኩራት ሓድነት ዘኸትሎ ኣሉታዊ ሳዕቤን ንምጥቃስ ከኣ “ብሓደ ኢድ ኣይጣቓዕን” ንብል። ንዕዙዝነት ሓድነት ኣገዳሲ ካብ ዝገብርዋ ቁምነገራት ሓደ ናይ ሓባር ረብሓ  መረጋገጺ መሳርሒት ምዃና እዩ። ሓድነት ከምቲ ስማ ዝሕብሮ ናይ ብሓቂ ሓድነት ንክትከውን ከቢድ ግና ድማ ዝከኣል ዋጋ ትሓትት እያ።

ሓድነት ኣብ ዘተኣማምን ባይታ ክትስረትን ቀዳልነታን ኣድማዕነታን ንከተውሕስን ናይቶም ፈጠርታ ቅሩብነትን መጽናዕትን የድልያ። ዝያዳ ኩሉ ከኣ ብሚዛናዊ ኣተሓሳስባ ክትስነ ናይ ግድነት እዩ። ከምኡ እንተዘይኮይኑ ወይ ኣድማዕነታ ይሓጽር ወይ ድማ ርትዓውነት ይጎድላ’ሞ ቀጻልነታ ኣብ ሓደጋ ይወድቕ። ካብቲ ብመጽናዕቲ ኣብ መስርሕ ሓድነት ዝረጋገጽ፡ ዘሰማምዓካን ዝፈላልየካን ኣሎዶ? እንተልዩኸ ኣየንኡ ይዓዝዝ? ዝብል በዚ መጽናዕቲ ኣቢልካ ይረጋገጽ። ድሕሪ እዚ እቲ ዝፈላሊ መሰረታዊ እንተዘይኮይኑ ክትሰግሮ ትብዓትን ቅሩብነትን የድሊ። ሎሚ ዘይኮነስ ጽባሕ ክትፈትሖ ዝገበኣካ፡ ህዝባዊ ተሳትፎን ሕገ-መንግስታዊ ቀጥዕን ዝሓትት ፍልልያት እንተልዩካ ከኣ ነቲ ጽባሕ ክዕመም ዝግበኦ ሎሚ ክትውድእ ጉልበትካ ኣብ ክንዲ እተባኽን፡ ከተመሓድሮ ምብቃዕ ካልእ ኣብ መስርሕ ሓድነት ዝሕተት ቀሊል ዝመስል ረዚን ውሕልነት እዩ። ልዕሊ ኩሉ ከኣ ንፍልልያት ከም ቁርን ኣስሓይታን ምፍራሑ ዘይኮነ ከም ናይ መማረጺ ሓሳባት ጽቡቕ ዕድል ጌርካ ምውሳዱ ዓብይ ጉዳይ እዩ። ብሓሳብ ንዝተፈልየካ ኣብ ክንዲ ከም መወዳድርትኻ ወሲድካ ብሓሳብ ምስዓር፡ መጻልእጥኻ ጌርካ ብምውሳድ ንከተጥፈኦ ከይደቀስካ ምሕዳር፡   ክውገድ ዝግበኦ እዩ። ዝያዳ ኩሉ ድማ ናይ ይከኣልን ኣውንታዊ ቅሩብነትን ብሩህ መጻኢ ምምዕዳውን የድሊ።

ከምቲ ኩሉ ግዜ እንብሎ ሕጂ’ውን ኣብ ኤርትራዊ ፖለቲካዊ ናይ ለውጢ ባይታ ንዕዘቦ ዘለና ኣገዳስነት ምውሓስን ሓድነት፡ ግዜ ዘይህብን ዘይስገርን ኣጀንዳ ኮይኑ ኣሎ። በብወገና ነዚ ንምውሓስ ብዝተፈላለየ ኣገባባት ነርእዮ ዘለና ግና  ኣብቲ ንደልዮ ድማዕ ዘይበጽሐ ንቕሎታት ነዚ የመልክት። ከምቲ  መብዝሕትና ዘይንስሕቶ፡ ኣብ ከምዚ ተጸሚድናሉ ዘለና ናይ ለውጢ ቃልሲ ናይ ኣተሓሳስባ ፍልልይ ምሓዝ ኣባና ዝተጀመረ ኣይኮነን። ኣመሓዲርናዮ ንቕድሚት ክንደፍእ ዘይምኽኣልና ግና ቀይዱ ሒዙና ዘሎ ናይ ድኽመትና መርኣያ ክኸውን ይኽእል። ስለዚ እቲ ዘይንቡር ብሓሳብ ምፍልላይና ዘይኮነ ንኣምር ፍልልያዊ ሓድነት ከነተግብር ዘይምኽኣልና እዩ። ንሕና ንሓድነት ከም መሰረታዊ ናይ ዓወት መሳርሒ ክንወስዶ እንከለና፡ ከም ህግደፍ ዝኣመሰሉ ካብ ምፍልላይ ዝድረሩ ጸረ-ሓድነት ወገናት ግና፡ ንሓድነት ኣይቅበልዋን ጥራይ ዘይኮነ ክዘርግዋ ዘይፍንቅልዎ እምኒ ከምዘየለ ክንርደኦ ዝግበኣና እዩ።

ሃገራዊ ድሕነት ኤርትራ -ሕድርን ሰልፊ ዲሞክራሲ ህዝቢ ኤርትራን፡ እዚ ኣቐዲሙ ዝተጠቕሰ ዘየደቅስ ኣተሃላልዋ ኤርትራዊ ሓይልታት ለውጢ፡ ከም ኩሉ ሰልፍታት፡ ውድባት፡ ማሕበራትን ግዱሳት ኤርትራውያን ባእታታትን ከሻቕሎም ዝጸንሐን ዘሎን እዩ። ነቲ ሻቕሎት መፍትሒ ምርካብ እምበር፡ ንሻቕሎት ምኩምሳዕ፡ መፍትሒ ከም ዘይኮነ ክልቲኦም ወገናት ስለ ዝተረድኡ፡ መዋጽኦ ንምርካብ በብወገኖም ክሰርሑ ምስ ጸንሑ፡ ጻዕሮም ብሓደ ናይ ምጽማድ ተበግሶ ካብ ዝወስዱ ነዊሕ ኮይኑ። እቲ ናይ መጀመርያ ዳህሳሶም ከኣ በበይኖም ንክኾኑ ዘገድድ ምኽኑይ መንደቕ ከምዘየብሎም፡ እኳደኣ ብሓባር እንተሰሪሖም ኣብቲ ሓይልታት ለውጢ ናብ ናይ ሓባር ጽላል ንምምጻእ ዝገብሮ ዘሎ ጻዕሪ ኣበርክቶኦም ከም ዝብርኽ ስለ ዝተረድኡ ናብ ፍጹማዊ ሓድነት ክበጽሑ ተሰማሚዖም ብግብሪ ይሰርሕሉ ኣለዉ። በበይንኻ ጸኒሕካ ናብ ሓደ ውድብ ወይ ሰልፊ ምምጻኡ ከቢድ ስራሕን ረዚን ሓላፍነትን ዝሓትት እዩ። ምክእኣል፡ ምጽውዋርን ሓልዮትን ዝዕጥቁ ቅሩብነት እንተልዩና ግና ከም ዝከኣል ናይ ክሳብ ሕጂ ጉዕዞና ናብ ሓድነት ኣረዲኡና ኣሎ። ክሳብ ሕጂ በጺሕናዮ ዘለና መስርሕ፡ ተሪፉና ንዘሎ ንኡስ ጉዳያት ወጊንና፡ ብዘይስልኪ ኣበርክቶ መሰረታት ክልቲኡ ወገናት፡ ኣብ ዘተኣማምን ኣብነታዊ ሓድነት ከም እንበጽሕ  ኣውንታዊ ሓባሪ ምልክት ይህበና ኣሎ።

ኣብዚ ሓድነታዊ መስርሕ ክንኣቱ እንከለና፡ እቲ ገዚፍ ኤርትራዊ ናይ ለውጢ ሓይሊ ብሓባር ዝሰርሕ ናይ ዘይምብቃዕ ኣብ ቅድሜና ዘሎ ብደሆ፡ ብናትና ኣበርክቶ ጥራይ ከም ዝዕመም ብምእማን ኣይኮነን። ብእንጻሩ ግደን ተራን ናይ ካለኦት ናይ ለውጢ ሓይልታት ኣብ ቦታኡ ምዃኑ ከም ርዱእ ብምውሳድ እዩ። ከምኡ ስለ ዝኾነ ኢና ድማ ነዚ ተተሓሒዝናዮ ዘለና መስርሕ ፍጹማዊ ሓድነት ዓቂብና፡ ምስ ካለኦት ኤርትራዊ ሰልፍታት፡ ውድባት፡ ግንባራትን ማሕበራትን ዘተን ምቅርራባትን ንምግሃድ ንቕጽል ዘለና። እዚ ተበግሶታት’ዚ እውን ከከም ባህሪ ናይቲ ናይ ኣተሓሳስባ ፍልልያቱ ናብ ፍጹማዊ ሓድነት ወይ ድማ ናብ ፍልልያቱ ዘመሓደረን ቀዳምነታቱ ዝሰርዐን ጽኑዕን ቀጻልን ጽላላት ከም ዝምዕብል ርግጸኛታት ኢና። ህልዊ ኤርትራዊ ኩነታት ዝጠልቦ’ውን እዚ እዩ። ስለዚ ሓድነት ሓይሊ ካብ ኮነ፡ ኩልና ቅዳምነታትና በብምዕራፉ ሰሪዕና ወሳኒ ግደ ህዝቢ ኤርትራ ከይዘንጋዕና ክንሰርሓሉ ዝግበኣና ሓላፍነት እዩ።