ካብ ዘቤታዊ ህድማ: ናብ ዞባዊ

2019-04-09 08:18:34 Written by  ቤት ጽሕፈት ዜና ሰዲህኤ Published in EPDP Editorial Read 2549 times

ርእሰ-ዓንቀጽ ሰዲህኤ

እዚ ንርከበሉ ዘለና መዋእል፡ ዞባዊ ጥራይ ዘኮነስ ዓለም ለኻዊ ምቅርራብ እውን ዝድለየሉ መዋእል እዩ። ንነዊሕ ግዜ ብዘይዘእምን ምኽንያት፡ ገዛ ዓጽዩ ንህዝቢ ጅሆ ሒዙ ተሓቢኡ ዝጸንሐ ጉጅለ ህግደፍ ኣብዚ እዋንዚ፡ “ዞባ ቀይሕ ባርን ቀርኒ ኣፍሪቃን” ዝብላ ሓረጋት መውጽእ ኣፉ ገይርወን ዘሎ፡ ካብ መሰረታዊ  ሓቢርካ ናይ ምዕባይ መትከል ዝነቐለ ኣይኮነን ኢልካ ንምግማት ዘጸገም ኣይኮነን። ከምዚ ዓይነት መሰረታዊ ጉዳይ ኣብ ከመይ ኩነታት፡ መዓስን ብመንን ይለዓል ዝብሉ ሕቶታት ኣብ ግምት ምእታው ኣብ ቦታኡ ኮይኑ፡ ኩለመዳያዊ ዞባውን ከባብያውን ምትእስስሳርን ምድግጋፍን ዝድገፍ እምበር ዝንጸግ ኣይኮነን።

እዚ ብዙሕ ዝድረፈሉ ዘሎ ናይ በዓል ዲክታቶር ኢሳይያስ ከባብያዊ ምትሕብባር ምስ ናይተን ኣብ ዞባዊ መድረኽ ብሓባር ክሰርሓ ዝደልያ ሃገራት ዘቤታዊ ዕቤትን ቅዲ ምምሕዳርን ክናበብ እንተዘይክኢሉ፡ ኣብ መዓላ ዝበጽሕ ኣይኮነን። ዞባዊ ዕቤት፡ እኩብ ድምር ዕቤት ናይተን ኣብቲ ዞባዊ ብምትሕብባር ዝዋሰኣ ሃገራት እምበር ስለ ዝደረፍካሉ ጥራይ ከም ማና ካብ ዞባዊ ሰማይ ዝዘንብ ጸጋ ኣይኮነን። ርቡሕን ህዱእን ዓቕሚ ዘለወን ሃገራት ዝምስርተኦ ዞባዊ ምውህሃድ፡ ቀጻሊ ርቡሕን ህዱእን ይኸውን። ኣብ ኢደን ኣብ ሃሃገረን ዘጥረየኦ ዝጭበጥ ትሕዝቶ ዘየብለን ሃገራት ዝምስርተኦ ዞባዊ ምትሕብባር ባዶ እዩ ዝኸውን። ኮታ ከምቲ “ዝዘራእካዮ ኢኻ ትሓፍስ” ዝበሃል። ኣብ ዞባዊ ዛዕባ ተዋሳኢ ንክትከውን ቁጠባዊ ዓቕሚ ጥራይ ዘይኮነ፡ ዘተኣማምን ሰላም፡ ምርግጋእን ህዝባዊ ተቐባልነትን’ውን ወሳኒ እዩ።

ሃገራት ቅድሚ ናብ ዞባዊ ምትእስሳር ምምጥጣረን ነናይ ገዛእ ርእሰን ኩለመዳያዊ ዕማም ከጻፍፋ ናይ ግድን እዩ። ዝባኑ ቀሊዑ ናብ ዕቤት ዝመጣጠር ናይ ህዝቢ ዲሞክራስያዊ ተሳትፎ ዘውሕስ ምምሕዳር ክህልወን ይግባእ። ኣብ ዞባዊ ቁጠባዊ ምዕባለ ሒዘንኦ ዝቐረባን ዝወዳደራሉን ናይ ህዝቢ ተሳትፎ ዕድል ዝኸፍት ንጹር ቁጠባዊ ፖሊሲ ምህላው ከኣ ግደኡ ኣዝዩ ዕዙዝ እዩ። ብመንጽር እዚ ብሓፈሻ ንዞባ ቀርኒ ኣፍሪቃን ቀይሕ ባሕርን፡ ብፍላይ ከኣ ንኤርትራና ዝምልከት ጉዳይ እንተዳህሰስና፡ ኤርትራ ኣይኮነንዶ ኣብ ዞባዊ መድረኽ ክትወዳደርን ክትተሓባበርን፡ እቲ ዝተሓተ ሓንቲ ሃገር ከተማለኦ ዝግበኣ መባእታዊ መዕቀንታት እውን ስለ ዘየማለአት ኣብ መንጎ ምህላውን ዘይምህላውን ትሰሓግ ዘላ ሃገር እያ። ኤርትራ ብሕገ-መንግስቲ ዘይትምራሕ፡ ልዕልና ፍትሒ ዝተነፍጋ፡ ዜጋታታ ኣይኮነንዶ ኣብ ተወዳዳሪ ልምዓት ክሳተፉ፡ ናይ ምንባር መሰል ተነፊግዎም ኣብ ዓዲ ጓና ናይ ዝነብሩላ፡ ኩሉ ትሕተ-ቅርጸኣ ናይ ዝዓነወ፡  ሃገር ዜጋ ኮይኑ ከምዘሎ፡ ኣይኮነንዶ ካልእ ተዓዛቢ እቲ ናይዚ ኩሉ ሕጽረታት ተሓታቲ ገበነኛ ዲክታቶር ኢሳይያስ ዝመርሖ ጉጅለ እውን ዝኽሕዶ ኣይኮነን። እንተኾነ ከምቲ “ኣብ ከብዲ ጽጉብ፡ የለን ጥሙይ” ዝበሃል ወጽዓ ህዝቢ ወጽዓና’ዩ ዘይብሉ፡ ምስቲ ዲክታቶር ኣብ ሓደ ጠላም መኣዲ ዝምገቡ ወይ ካብ ኣስመራ ናብ ኣዲስ ኣበባ ምጋሽ መሰረታዊ ፍታሕ ዝመስሎም፡ ውሑዳት ወገናት ግና ዓው ኢሎም’ኳ እንተዘይጨደሩ፡ ሰላሕ ኢሎም “ሃገር ጽቡቕ እያ ዘላ” ዝብሉ ናይ ምምዝዛን ሕልናኦም ንህግዲፍ ዘረከቡ ይህልዉ።

ብደረጃ ዞባ ቀይሕ ባሕርን ቀርኒ ኣፍሪቃን እውን፡ ካብ ኤርትራ ዘይትሓይሽ ሃገር’ኳ እንተዘየለ፡ ቀጻሊ ዕቤትን ሰላምን ዘምጽእ ዞባዊ ምትሕብባር ንምንጻፍ ዘኽእል ህዱእ ባይታ የለን። ኣብ መንጎ ኤርትራን ኢትዮጵያን፡ ኣብ መንጎ ኤርትራን ሱዳንን፡ ኣብ መንጎ ኤርትራን ጅቡትን፡ ኣብ መንጎ ሶማልን ሶማልያ ላንድን፡ ኣብ መንጎ ኬንያን ሱማልን ዘሎ ዘይርጡብ ዝምድናታት እንተመዚናዮ፡ ኣይኮነንዶ ከምቲ ዝድረፈሉ ዞባዊ ምትሕብባር ንምፍጣር ከም ጐረባብቲ ተኸኣኢልካ ንምንባር እውን ዘኽእል ኣይኮነን። ምስ ጐረቤት ኣብ ምስሕሓብ ምእታው፡ ሓደ መግለጺ ሃገራዊ ዘቤታዊ ወኒንካ ከተጣጥሕ ናይ ዘይምብቃዕ እዩ። እዚ ብሰፊሑ ኣብ ኤርትራ ብጋህዲ ዝረአ እዩ። እቲ ኢሳይያስ ሓሓሊፉ ምስ ጐረባብቲ ውግእ ክኸፍተሉ ዝጸንሐ ሸፋጢ ባህሪኡ  ሕጂ እውን ምስኡ እዩ ዘሎ። ቅድሚ ሕጂ ምስ ዝኾነት ሃገር ክናኸስ ዝጸንሐ፡ እቲ ዓብዒብዎ ክኸይድ ዝፍትን ናይ ህዝቢ መሰረታዊ መሰል ከይትንከፎ ናይ ዝገብሮ ህድማን ስግኣትን ኣካል እዩ። ንኹሎም ጐረባብቲ ዝኸሶም ከኣ ከምቲ “ነዳይስ ናይ ልቡ ይሓልም” ዝበሃል ግብሩ ፈሊጡ፡ ኣብ ጉዳየይ ኣትየሙኒ ናይ ዝብል ብህራረ እዩ።

እቲ ኣብ ከምዚ ቀንዲ ሕመረቱ ህድማ ካብ ውሽጣዊ ጉዳይካ ዝምስረት ዞባዊ ምውሃድ ኣብ ድልዱል ባይታ ስለ ዘይምስረት ምፍራሱ ዘይተርፍ እዩ። ድሮ’ኳ ወዮ ናይ ኢሳይያስ ከም ኣባጉንባሕ ዘይግራትካ ምኹላል ክኹርመሽ ጀሚሩ ኣሎ። ኢሳይያስስ ምስ ህዝቢ ኤርትራ ኣብ ዲቕ ዝበለ ጽልእን ቂምን እንከሎ፡ ንበዓል ሶማል ክንዓርቕ ኢና ነዓናይ እንተበልዎ ዘብዘብ ምባሉስ ምስ ምንታይ ከም ዝቑጸር እንድዒ። ከምቲ ሓደሓደ ግዜ ይሓይሽ ኢልካ ዝፈተንካዮ ዝገደደ ዝኸውን፡ እንሆ ወዮ ናይ ኢሳይያስ ቀልባዕባዕን ህድማ ካብ ኤርትራዊ ህዝባዊ ጠለባትን ዘይተጸበዮ መዓት ጐቲትሉ። ወዮ ኣበይ ከይበጽሕ ክብሎ ዝጸንሐ ህዝቢ ኤርትራ ተላዒሉ ኣሎ። እቲ ኣብ ወጻኢ ዝቃላሕ ዘሎ ናይ “ይኣክል” ማዕበል ከም ዘለዎ ኮይኑ፡ እቲ ኣብ ዝተፈላለየ ከባብታት ኤርትራ ብሽሞኛታት ህግዲፍ ዝተኻየደ ኣኼባታት እውን ኣጠቓሊልካ ክምዘን እንከሎ ናይ “ከም ቀደም ይመስለክን ውሕጅ ይወስደክን” መልእኽቲ እዩ ኣመሓላሊፍሉ። እዚ’ውን ካልእ መልክዕ “ይኣክል” እዩ።

ኢስይያስ ነዚ ሓድሽ ዘይኮነ ክነሱ፡ ኣብ ሓድሽ ወረቐት ጽሒፉ ከቕርቦ ዝፍትን ዘሎ ናይ ዞባዊ ምትሕብባር ኣምር ዘምጸኣሉ ምኽንያት ሓደን ንጹርን እዩ። እዚ ድማ ነቲ ኣብ ውሽጢ ኤርትራ ዘጋጥሞ ዘሎ ዕቤቱ ሓልዩ ዝመጸ ንድሕሪት ዘይምለስ፡ ወጣሪ ብደሆ ብጉልባብ ዞባዊ ምትሕብባር ማይ ንምጅላሕ እዩ። ዞባዊ ምትሕብባር ናቱ ኣካይዳን ናይ ዕቤት መስርሕን ዘለዎ እምበር ንዘቤታዊ ዕማም ዝትክእ “መሕብኢ” ኣይኮነን። ዘቤታዊ ዕማም እውን ንኣድላይነት ዞባዊ ምትሕብባር ዝትክእ ኣይኮነን። ኮታ ዘቤታዊ ዕዮን ዞባዊ ምትሕብባርን ኣብ ሕድሕዶም ዝመላልኡ እምበር ነጻጺልካ ዝረኣዩን እቲ ሓደ ነቲ ካልእ ዝትክኦን ኣይኮኑን። ስለዚ ኢሳይያስ ነቲ ኣብ ዘቤታዊ መድረኽ ዝፈሸሎ ብጉልባብ ዞባዊ ምትሕብባር ክትከኦ ዘካይዶ ዘሎ ዘይሰምር ፈተነ እዩ። ኢሳይያስ ነቲ “መን መርዓት ምስ በለክን ትኮሓላ” ዝብል ምስላ ዘንጊዑ ዞባዊ ጐብለል ናይ ምዃን ዓሻ ህጥራን እውን ይህልዎ ይኸውን።

Last modified on Tuesday, 09 April 2019 10:33