“ይኣክል ይቐጽል፡ ክሳብ ዝኣክል”

2019-04-18 07:41:04 Written by  ቤት ጽሕፈት ዜና ሰዲህኤ Published in EPDP Editorial Read 2624 times

ርእሰ-ዓንቀጽ ሰዲህኤ

ጉዕዞና፡ ጉዕዞ ናብ ለውጢ እዩ። እዚ ጉዕዞ ናብ ለውጢ ብዝተፈላለዩ መንጠሪ ምዕራፋት ክሓልፍ ዝጸንሐ እዩ። ኣብዚ እዋንዚ ከኣ ዝያዳቲ ናይ ቅድም ፍሉይ ናህርን ቅልጣፈን ሒዙ ይሕንበብ ኣሎ። ህግደፍ ላዕለዎት ሓለፍቱ ዝነበሩን ጋዜጠኛታትን ኣካይዳና ቀጥዒ ነትሕዞ ስለ ዝበሉ፡ ብጃምላ ዝኣሰረሉ ግዜ፡ ልዕሊ 360 ኤርትራውያን መንእሰያት ናብ ስደት እንዳምርሑ፡ ኣብ ደሴት ላምፓዱሳ ዝሃለቕሉ እዋን፡ “ናይ ወዲ ዓሊ” እናበልና እንጽወዖ ምንቅስቓስ ዝተረእየሉ ኣጋጣሚ፡ ካብቶም መንጠሪ ኮይኖም ዝጸንሑ ኣጋጣምታት እዮም። እነሆ ሎሚ ከኣ ኢሳይያስን ጉጅልኡን ካብቲ ብናይ ሓሶት ልኡላዊ ሓልዮት ዝተነድቀ መሕብኢ በዓቲ፡ ብዘይግሉጽ ኣገባብ ዕዮ ገዛ ጐይተቶም ክሰርሑ ተጐቲቶም ምስ ወጹ፡ ዓብዪ ናይ ለውጢ መንጠሪ ተፈጢሩ ጻት-ንጻት ሃልሃል ይብል ኣሎ።

ኢሳይያስ ካብዚ ተሓቢእሉ ዝጸንሐ በዓቲ ወጺኡ፡ ካብ ባሕሪ ከም ዝወጸ ዓሳ ፈለኽ ምባል ከሊአምዎ ዘለዉ ህዝባዊ ሕቶታት ኣዝዮም ብዙሓት እዮም። ካብቶም ውቃበኡ ተገፊፉ ክምልሶም ዘይከኣለ በዳህቲ ሕቶታት፡ “ሕጂ ኸደኣ ኢትዮጵያ ንውዕል ኣልጀርስን ውሳነ ኮሚሽን ዶብን ብዘይ ቅድመ-ኩነት እቕበሎ ካብ በለት ዶብ ኣብ ባይታ ዘይምልከት?፡ ብሰንኪ ልኡላዊ ስግእት ተዓጊቱ ዝጸንሐ መስርሕ ናብ ሕገመንግታዊ ምምሕዳር ስለምንታይ ዘይቅጽል?፡ ስለምንታይ ኤርትራዊ ልኡላውነት ኣህሲስካ ናብ “ኤርትራን ኢትዮጵያን ሓደ እየን” ጽግዕ-ጽግዕ?፡ ስለምንታይ ኤርትራ ንኢሳይያስ ጥራይ ከም ዝወለደት፡ ናብ ኢትዮጵያዊ መራሒ ምቁማትን ከተውርሶ ትንዕምንዕ ምባልን?፡ ወዮ ስግኣት ናይ ዶብ ካብ ተወገደ ኣዋጅ ሃገራዊ ኣገልግሎት ናብ ባህርያዊ ቦታኡ ዘይምለስ?፡ ስለምንታይ ሓይሊ ባሕሪ ኢትዮጵያ ኣብ ምጽዋዕ ይሰፍር?”፡ ስለምንታይ ሓድሽ ምፍቕሪ ምስ ኤሮማራ ጽልኢ ምስ ትግራይ? ዝብሉ ሕቶታት ብኣብነት ዝጥቀሱ እዮም። ነዚ ሕቶታት ዝሰምዐ ኢሳይያስ ከየተንፈሰ ስቕ እዩ ኢሉ። ስቕ ከኣ ካልእ ኣገባብ ናይ ምእማን እዩ። ሎሚ “ስቕ ዝበልና ስቕ ስለ ዝመረጽና ኢና” ዝብል ህድማ ኣይሰርሕን እዩ። ምኽንያቱ “ስቕ ዝበሉ መልሲ ስለ ዘየብሎም ምዃኑ” ኩሉ ተረዲእዎ ስለ ዝኾነ።

ኣቶ ኢሳይያስ ከምቲ “ሕኑቕ እንታይ የውጽእ ዓፍራ” ዝበሃል፡ ናይዚ ህዝባዊ ሕቶታት መልሲ ስለ ዘየብሉ መሪጽዎ ዘሎ ስንኩፍ ሜላ ከምዚ በዓል ዕዳ ዕዳኡ ከይከፍል ዝሕባእ ምሕባእን ምህዳምን እዩ። ህዝቢ ኤርትራ ዝነፈጎ እምነት ካብ ህዝቢ ኣዲስ ኣበባ፡ ኣዋሳ፡ ጎንደርን ባህርዳርን ክረኽቦ ዳምዳም ይብል። ህዝቢ ኤርትራ ግና ሎሚ ትዕግስቱ ወዲኡ ስለ ዝኾነ፡ ኢሳይያስ እንተሃደመ ኣብ ዝኣተዎ ኣትዩ ብኽሳዱ ክሕዞ ምዃኑ እቲ ምልክታት ንርእዮ ኣለና። ምልክታት ከባቢና ይሕብሮ ከም ዘሎ፡ ሎሚ ንኢሳይያስ ብሓሳብ ኣኽቢብካ ሒዝካ ናይዚ ኣቐዲሙ ዝተጠቕሰ ሕቶታት መልሱ ምጽባይ ዘይኮነ፡ ደፊእካ ከም ዑመር ኣልበሽር ምጽዳፉ ጥራይ እዩ። ምኽንያቱ መልሲ ካብዘይብሉ ዕቡስ፡ መልሲ ምጽባይ ማይ ምሕቋን ስለ ዝኾነ። እዚ ማለት ግና ወዮ ዘይቀብጽ ዲክታቶር፡ ኮንደኾን የዋጸኣኒ ዝብሎ ጉዳጉዲ ካብ ምኹዓት ክሳብ ወሪደ-መቓብር ካብ ምፍታን ዓዲ ኣይክውዕልን እዩ። እዚ ብድኹም ሞራል፡ ዘይእርኑብ ሓሳባትን ብዉሱናት ኣብ ናይ ቀደም ዓለም ዝነብሩ ባእታታትን ኣብ ዝተፈላለየ ከባብታት ሃገርና ክግበር ዝቐነየ ኣኼባታት ከኣ ናይዚ ኣብነት’ዩ። ጉጅለ ኢሳይያስ ብኣተሓሳስባ ካብ ዝሰዓር ነዊሕ ግዜ ኮይኑ እዩ። ሎሚ ከኣ ብተግባር ይህወጽ ኣሎ።

ሎሚ በቲ ሓደ ወገን ኢሳይያስ ነቲ ዝሕተቶ ሕቶታት መልሲ ስኢኑ ከም ሕሱም ዘዕለብጠሉ ዘሎ እዩ። እቲ ወጣሪ ሕቶታት ብኣና ብኤርትራውያን ጥራይ ዘይኮነ፡ በተን ትማሊ ዝሕጭጨለን ዝነበረ ዓለምለኻዊ ትካላት እውን ዝቐርቦ ዘሎ እዩ። ኣብዚ ቀረባ ግዜ ብናይ ዓለም ኮሚተ ክኢላታት ኣተገባብራ ሲቪላውን ፖለቲካውን መሰላት፡ ኣስማት እንዳተጠቕሰ፡ “እገለን እገለ ዝበሃሉ እሱራት ብህይወትዶ ኣለዉ፡ እንተልዮምከ ኣበይ ኣለዉ?” ዝብል ሕቶ ምስ ቀረቦ፡ ልኡኹ ብዘይካ ምዕጥጣይን ክሕደትን ዝጭበጥ መልሲ ክህብ ዘይምብቅዑ ክሳብ ክንደይ ጸቢብዎ ከምዘሎ ዘርኢ እዩ። ብሰንኪ እዚ ከኣ በዚ ዓበይቲ ትካላት ናይ ኩነኔ መልእኽታት ይበጽሖ ኣሎ። በቲ ካልእ ወገን ከኣ ብኤርትራውያን ናይ ለውጢ ሓይልታት ቁጠዐን ነድርን ሰማይ ዓሪጉ ኣሎ። እታ ንግሆ ንግሆ ናብ ኢትዮጵያ ምጋሽ በይና: ዘይብሉ ጥዑይ ምስሊ ከተውህቦ ከምዘይትኽእል እውን ብጋህዲ ተነጊርዎ ኣሎ። እዚ ዘርእዮ ከኣ ደጊም መዕሸዊ ምኽንያታቱን መህደሚ መዓጽኡን ከም ዘብቅዐ እዩ።

ኣብዚ እዋንዚ ቁጠዐ ኤርትራውያን ኣብ ውሽጢ ሃገር ካብ ማእከል ኣስመራ፡ ክሳብቲ ናይ ገጠር ጫፋት ይቃላሕ ኣሎ። ሎሚ እቶም ኩሉ ተሃዋሲ ስምዒታት እንዳመዝመዙ ኣብ መንጎ ሓዳርን ኣባላት ሓደ ቤተሰብን ከይተረፈ ልሒኾም ዝነበሩ ሰለይቲ ህግዲፍ ተሳዒሮም ናብ “እግረይ ኣውጽእኒ” ኣትዮም እዮም። ብውሕዱ ዓው ኢሉ “እዚ ሰብኣይሲ ንጥፍኣትና ዝተዓጥቀ እዩ፡ ዘይእመን ኣሚና ተዘንጊዕና ጸኒሕና” ዘይብል በሃጊ ለውጢ ኤርትራዊ የለን። ካብ ኤርትራ ወጻኢ እውን እቲ ካብ ቅድም ዝጸንሐ ናይ ተቓውሞ መንፈስ መሊሱ ኣጉላዕሊዑን ዓንቢቡን ናብ ፍረ ገጹ የምርሕ ኣሎ። ውድባዊ ድሕረባይታ ይኹን ካልእ ዘይመሰረታዊ መፈላለዪ ምኽንያታት ፈሪሱስ ኩሉ ኣብ ማዕበል “ይኣክል” ይኸብብ ኣሎ። ስለዚ ይኣክል ኣብ ልዕሊ ናይ ኢሳይያስ ናይ “ንደመር” ናይ ልቓሕ ፍልስፍና ልዕልናኣ ኣረጋጊጻ እያ። እንተኾ እቲ ይኣክል ናይ ብሓቂ ይኣክል ምእንቲ ክኸውን ከምቲ “ሓጺን ብርስኑ” ዝብሃል ብቅልጡፍን ቀጻልን ናይ ይኣክል ጉያ ንዲክታቶር ኢሳይያስ ልቡ ከነጥፈኣሉ ኣብ ዝባና ዘሎ ሓላፍነት ከቢድ እዩ። ሓላፍነት ተሰኪምና ርትዓዊ ሚዛን እናንበርና እንተኬድናዮ ግና ዝከኣል ጥራይ ዘይኮነስ ቀሊል እዩ። ከምኡ እንተዘይጌርና ማዕበል ይኣክል ንድሕሪት’ኳ እንተዘይተመልሰ ምድንጓይ ከጋጥሞ ይኽእል እዩ። እቲ ለውጢ ክድንጒ እንከሎ ከኣ ብኽንድኡ ደረጃ ወጽዓን ብርሰትን ህዝብና ክቕጽል እዩ። ስለዚ  ኢና እምበኣር “ይኣክል ይቐጽል፡ ክሳብ ዝኣክል” ብዝብል ነቲ ጉዕዞ ነሕጽሮ እንብል። ሰራዊት ኤርትራ ከኣ፡ እንተኾነ ካብኡ ንላዕሊ፡ እንተዘየለ ክንድቲ ሰራዊት ሱዳንን፡ ኣልጀርያን ግብጽን ኣብ ግዜ ለውጢ ንህዝቦም ዘርእይዎ ፍቕሪ፡ ንህዝቢ ኤርትራ ከምዘይነፍጎ ርግጸኛታት ኢና።

Last modified on Thursday, 18 April 2019 09:43