
ርእሰ-ዓንቀጽ ሰዲህኤ
ኣብዚ ሓበሬታ፡ ንወዲ ሰብ ማዕረ ዝብላዕን ዝስተን መሰረታዊ ተደላዪ ዝኾነሉ መዋእል፡ ህዝቢ ኤርትራ ክሳብ ክንደይ ብጽምኢ ሓበሬታ ይሳቐ ከምዘሎ ንኹላትና ብሩህ እዩ። እንተኾነ እቲ ከም ቦዓል ኢሳያስ ዝኣመሰለ ዲክታተር ዝመሓደር ህዝቢ፤ ከምዚ ዓይነት ጽምኢ ክወርዶ እንከሎ፡ ከም ኣካል ናይቲ መፋጥርቱ ዝኾነ ጭቋኒ ባህሪኡ ወሲድካ እትቃለሶ እምበር፡ በይኑ መዚዝካ እትግረመሉ ነገር ኣይኮነን። ከምቲ “ላምሲ ፍርቂ ጐና ኣይትሰብሕን እያ” ዝበሃል፡ ኢሳያስ ኣብ ሓበሬታ በጺሑ ክልውህ እትጽበዮ ኣይኮነን።
ሓበሬታ ኣይኮነንዶ ኣብ ጉዳይ ህዝብን ሃገርን፡ ካብ ሓደ ስድራቤት ጀሚርካ፡ ክሳብ ዝተፈላለየ ደረጃ ዘለዎ ትካላት ኣድላይነቱ ወሳኒ እዩ። መራሕትን መንግስታትን፡ እንታይ ከም ዝሓስቡን እንታይ ከም ዝሰርሑን ንህዝቦም ክሕብሩ ኣብ ድሌቶም ዝምርኮስ ዘይኮነ ግደታኦም’ውን እዩ። ህዝቢ ኣብዚ ሓበሬታዚ ተመስሪቱ እዩ ካብቲ መንግስቲ ዝሕዞ መንገዲ ኣየናይ ክድግፍ ኣየናይከ ክነጽግ ዝውስን። ሓደ ጥዑይ መንግስቲ ከምዚ ይገብር ኣለኹ ኢሉ ምሕባር ጥራይ ዘይኮነ “ከምዚባ መሓሸ” ንዝብል ናይ ህዝቢ ሓሳብ’ውን ግቡእ እዝንን ቀልብን ክህልዎ ይግባእ። እዚ ዕማምዚ ኣገዳሲ ጥራይ ዘይኮነ፡ ስፍሓት’ውን ስለ ዘለዎ ብመንግስቲ ጥራይ ዝዕመም ዘይኮነ፡ ብሕታዊ ትካላት ሓበሬታን ሚድያን ክሳተፈኦ ይግባእ። እዚ ሓደ መምዘኒ ዲሞክራስያውነት ስለ ዝኾነ፡ ኤርትራ ኣብ ትሕቲ ዲክታተርነት ካብ ዘይተዓደለቶም ጸጋታት ሓደ እዩ።
ብፍላይ ኣብዚ ዘለናዮ እዋን ሳላ ቅልጡፍ ምዕባለ ዘመናዊ መራኸቢ፡ ኣይኮነንዶ ብዛዕባ ሃገርን ህዝብን ዝምልከቱ ጉዳያት ብዛዕባ ባእታታት እውን ብዙሕ እዩ ዝበሃልን ዝረአን። ኣብ ከምዚ ኩነታት ኣብቲ ዝበሃል ቅልጡፍ መብርሂ ምሃብ ቀንዲ ሓላፍነት መንግስታት እዩ። ህዝቢ ከኣ እንተስ ንምድጋፍ፤ እንተ ንምንቃፍ ካብቲ ብዙሕ ዝበሃል፡ ኣብቲ መንግስቱ ዝህቦ ሓበሬታ፡ ክምርኮስ ይኽእል። ንጹር መብርህን ሓበሬታን እንተዘይረኺቡ ግና ነየናይ ከም ዝሕዝ ነየናይ ከም ዝገድፍ ይጠፍኦ እሞ፡ ኣብ ዘይንጹር ምናልባታት ጸንበለል ክብል ይግደድ። ህዝቢ ሓበሬታ ተሓሪምዎ ዕንይንይ እንዳበለ፡ ድምጹ ዝሓብእ መንግስቲ ከኣ መርኣያ ዘይግሉጽነቱን ዘይህዝባውነቱን እዩ።
እቲ ቀደም ቀደም ኢሳያስ ሓበሬታ ንምሕባእ ኢሉ “ስቕ ዝበልና ስቕ ክንብል ስለ ዝመረጽና ኢና” ዝብል መህደሚ ብሂል ነይርዎ ይበሃል። እዚ ኣበሃህላ እዚ ኣይኮነንዶ ሎሚ፡ ኣብቲ ቀደም ሓበሬታ ምሕባእ ዝቐለለ ዝነበረሉ ግዜ እውን ዝሰርሕ ኣይኮነን። ሕጂኸ ኢሳይያስ ኣብዚ ቀደም እውን ቅኑዕ ዘይነበረ ኣተሓሕዛ ሓበሬታ ድዩ ዘሎ፡ ወይስ ኣይፋሉን ንምድህሳስ ኢና ከኣ “ክዛረብ ስለ ዘይደለየ ድዩ፡ ወይስ ስለ ዘይክኣለ?” ክንብል ዝተገደድና። ኣብዚ እዋንዚ ኣብ ኤርትራ ዘሎ ምምሕዳር፡ ካብቶም ካብ ሚድያ ምርሓቕን ሓበሬታ ምሕባእን ከም መፍትሒ ዝወስዱ ምምሕዳራት እዩ። ብኣንጻሩ ኤርትራ ካብተን ብዙሕ ዘዛርብ ጉዳይ ዘለወን ሃገራት ሓንቲ እያ። “ግዱድ ውትህድርና፡ ብዝሒ ስደተኛታትን ሳዕቤኑ ኣብ ጉዕዞ ናብ ስደትን፡ ግህሰት ሰብኣውን ዲሞክራስያውን መሰላት፡ ብኩራት ፍትሒ፡ ምስ ጐረባብቲ ኣብ ጐንጽን ምስሕሓብን ምንባር፡ ኣብ ጉዳይ ካለኦት ኢድ ኣእታውነትን፡ ቀያድን ናይ መወዳእታን ውሳነ ኮሚሽ ዶብ ዘይምትግባርን ….. ወዘተ፡ ካብቶም ንኤርትራ ኣብ ኩሉ መድረኻት ኣዛራቢት ካብ ዝገብርዋ ዛዕባታት እዮም።
ኣብዚ ቀረባ እዋን ከኣ፡ ኣብ ኤርትራ ብዙሓት ኣዛረብቲ ዛዕባታት ተፈጢሮም ኣለዉ። ኢሳይያስ ምእማኑ ብዘጸግም ኩነታት “ኤርትራን ኢትዮጵያን ካብ ጐረባብቲ ሓሊፈን ሓደ እየን” ናብ ዝብል ዝዓለመ ብዙሕ ክዛረብን ከዕለብጥን ሰሚዕናዮ። “ህዝብታት ኤርትራን ኢትዮጵያን ክልተ ህዝቢ እዮም ዝብሉ ነቲ ታሪኽን ሓቅን ዘይፈልጡ እዮም፡ 30 ዓመታት ትርጉም ኣብ ዘይብሉ ኣባኺንና፡ ቀዳማይ ሚኒስተር ኢትዮጵያ ኣብይ ኣሕመድ ዓሊ ክመርሓና እዩ ከምዚ ዝብል ዘለኹ ብልበይ እምበር ንቐላዓለም ኣይኮነኩን፡” እዚ ካብቲ ንሱ ዝበሎ ብዙሕ ንኣብነት ዝጥቀስ እዩ። ነዚ ንሱ ንዝኸፈቶ ናይ ስዕረት ኣፍደገ ተኸቲሎም፡ ኣባሃህላኡ ዘራጉዱ ብኢትዮጵያውያን ዝተባህሉ ከኣ ብዙሓት እዮም። ወዮም ካብ ቀደም ጀሚሮም ናይ ኤርትራ ልኡላዊ ሃገርነት ስለ ዘይዓለዎም/ስለዘይተዋሕተሎም ከንባህቑ ዝጸንሑ ወገናት ከኣ “ኣይበልናንዶ” ይብሉ ኣለዉ። ኮታ ኢሳያስ ናብ ኢትዮጵያ መመሊሱ ዝገይሽ ዘሎ ጣዕሳኡ ንምግላጽን በቲ ናይ 30 ዓመታት ሓርነታዊ ቃልሲ ይቕረታ ክሓትትን ገይሮም ዝወስድዎ ዘለዉ ኢትዮጵያውያን ብዙሓት እዮም። ንኢሳያስ ንኢትዮጵያ ኣፍደገ ባሕሪ ከም ዝመለሰላ ጀግና ወሲዶም ዝንእድዎ ኢትዮጵያውያን ምስማዕ እውን ልሙድ ኮይኑ ኣሎ።
እዚ ጉዳያት እዚ በቲ ቀንዲ ተዋሳኢ ኢሳይያስ ኣፈወርቂ “እዚ እዩ እቲ ሓቂ፡ እዚ ከኣ እቲ ዘይሓቂ” ዝብል ንጹር ሓበሬታ ክወሃቦ መተገበአ። ከምዚ ብዘይምዃኑ ከኣ ህዝቢ ኤርትራ ገሊኡ ከም ሓቂ ወሲዱ፡ ገሊኡ ከኣ ከም ሓቂ ምውሳዱ ተጸጊሙ ሰንፈለል ክብል ጸኒሑ። መዓልቲ እንዳ በለዐ ምስ ከደ ግና፡ ህዝቢ ኤርትራ “ስቕ እውን መልሲ እዩ” ብዝብል፡ “ኢሳያስ ነቲ መንገዲ ጥልመት ናተይ ኢሉ ውዒልዎ እዩ” ኢሉ ደምዲሙ እዩ። በቲ ካልእ ገጹ እዚ ካብ ቀደሙ ዘይበዓል ደሓና ሰብኣይ ዝኸዶ ዘሎ መንገዲ፡ መርኣያ ጸረ ህዝብነቱን ጸረ ዲሞክራስያውነቱን ኮይኑ፡ ብዓብይኡ ከኣ ኣብ ልዕሊ እቲ ደቁ ገቢሩ ኣብ ስልጣን ዘደየቦ ህዝቢ ኤርትራ ዘለዎ ንዕቀት ኮለል/ውልዕ ኣቢሉ ዘርኢ እዩ። እዚ ጥራይ ኣይኮነን፡ ኢሳያስ ድሕሪ ሕጂ ምስ ህዝቢ ኤርትራ ተፋቲሑ፡ ምስ ካልእ ህዝቢ ቃል ኪዳን ይኣስር ከም ዘሎ ዘመልክት እዩ። ድሕሪ ሕጂ ካብቲ ንሕናን ህዝብናን ብዛዕባ ጉዳይና እንጻወተሉ ኤርትራዊ ሃገራዊ ሜዳ ብግብሪ ወጺኡ፡ ካልእ ሜዳ ከም ዝመረጸ ንዕዘብ ኣለና። ስለዚ ጉዳይና ባዕልና ንሓዝ ።
ርእሰ-ዓንቀጽ፡ ሰዲህኤ
ኩነታት ደንበ ተቓውሞና ብመንጽርቲ ዝሓለፈ ልዕሊ 20 ዓመታት፡ ሎሚ ምጽልላምን ምንጽጻግን ሃዲኡ ኣብ ሕድሕድና ከም እንደላለ ኣብ እነንጸባርቐሉ ተስፋ ዝህብ ደሓን ኩነታት ኣለና። ዳርጋ ብኹልና ክበሃል ብዘኽእል ደረጃ፡ “ናይ ዝሓለፈ ቂም እሱራት ኣይንኹን፡ ንክእኣል፡ ንጸዋወር፡ ፍልልያትና ኣመሓዲርና ኣብቲ ንሰማመዓሉ ንስራሕ፡ ህልውናን ድሕነትን ህዝብን ሃገርን ቅድሚት ይሰራዕ፡” ዝብል ድምጽታት ይብርኽ ኣሎ። ድሕሪዚ እቲ ኣብ ቅድሜና ዘሎ ወሳኒ ዕማም ነቲ ትስፉው መግለጽታትን ኣዋጃትን ምድግጋም ዘይኮነ፡ ኣብኡ ተመስሪትካ ናብ ግብራዊ መጻኢ ዕማም ምስጓም እዩ። ኣብዚ እንዳተደላለና ዘይምኽኑይ ግዜን ጉልበትን ካብ ምብኻን ክንዕቀብ ይግበኣና።
ናብዚ ሕጂ ዘለናዮ ህዱእ ናይ ምድምማጽ ደረጃ ንምብጻሕ ነዊሕ ግዜ ዝወሰደ ኣህላኺ መስርሕ ከም ዝሓለፍና ኩልና እንርደኦ እዩ። ኣብዚ ዘለናዮ ናይ ምድልላይ ደረጃ ምብጻሕና ተስፋ ዝህብ እኳ እንተኾነ፡ እቲ ኣብ ቅድሜና ዘሎ፡ ነቲ ኮኩርባኡ ሒዙ ዘሎ ቅርቡነትን ብሓባር ናይ ምስራሕ ህርፋንን፡ ብሓንሳብ ጸሚድካን ትካላዊ መልክዕ ኣትሒዝካን ውጽኢት ከተመዝግብ ምብቃዕ እውን ቀሊል ቃልሲ ዝሓትት ኣይኮነን። እቲ ኣብ ቅድሜና ዘሎ ዕማም ቀሊል ዘይኮነሉ ምኽንያት ናትና ናይ ዓቕሚ ውሱንነትን ናይ ኣቀማምጣ ዘይምችኡነትን ጥራይ ዘይኮነ፡ እቲ በቲ ሓቢርና ኣንጻሩ ክንሰርሕ ብምብቃዕና ዕድሜኡ ዝሓጽር ጉጅለ ብዘለዎ ዓቕሚ ስለ ዝጻብኣና እዩ። እዚ ጉጅለ ናይቶም ንረብሓኦም ክብሉ ዝመሓዘውዎ ዓቕሚ ወሲኹ’ውን ኣንጻርና ካብ ምስላፍ ንድሕሪት ከም ዘይብል ምልክታት ንርኢ ኣለና። ከምቲ “ንዓኻ ዝመስሉ ግና ከማኻ ዘይኮኑ” ዝበሃል፡ ኣብ ውሽጥና ኣትዩ ክዘርገና ካብ ምሕላን’ውን ዓዲ ስለ ዘይውዕል ጉዕዞና ረቂቕ፡ ጥንቃቐ ዘድልዮን ንሓሳባት ሃንደፍ ኢልካ ዘይምውሓጥን እውን ከድልየና እዩ።
እቲ ክንሰግሮ ዝግበና ጸገም እዚ ጥራይ ኣይኮነን። ምስቲ ናይቲ ለውጢ ኮነ መተካእታ ናይ ምድላው ቀንዲ ቀላሲ ኣብ ዓዲ ዘሎ ህዝብና ብቐሊሉ ክንራኸብ ዘይምብቃዕና ካልእ ንቃልስና ዘኽብዶ እዩ። ህዝብና ልቡ ምሳና እናሃለወ ምሳና ክራኸብ ጥራይ ኣይኮነን ጸገሙ። ኣብቲ ዘለዎ ኮይኑ በቲ ሓደ ወገን በቲ ሎሚ ዕድሚኡ ኣኺሉ እንዳዘለቐ ዝኸይድ ዘሎ ጸጥታዊ መጻወድያ ናይቲ ጉጅለ ዝተሻበበን መንእሰያቱ ገዲፈምዎ ዝኸዱን ምዃኑ እቲ ቀንዲ ጸገሙ እዩ። ከምኡ እንተዘይከውን፡ ህዝቢ ኤርትራ፡ ከምቲ ኣብ ጐረቤቱ ዝርከብ ህዝቢ ሱዳን ኣብዚ ቀረባ ግዜ ብሓጺር ግዜን ዉሑድ ዋጋን ካብ ኢሳያስ/ህግዲፍ ዘይድሕር ዲክታተር ኣወጊዱ፡ ኣብ ዝምድናዊ ህዱእ ናይ ምስግጋር መድረኽ ኣትይዎ ዘሎ ክገብር ኣይመሰነፈን። ኣብዚ ሓደ ክዝንጋዕ ዘየብሉ፡ ሓይልታት ምክልኻል ኤርትራ ንህዝቡን ሃገሩን ናብ ጎደና ሰላምን ምርግጋእን ከብጽሖ ሓላፍነት ከም ዘለዎ፡ ግደ ሰራዊት ሱዳን ኣብቲ መስርሕ ለውጢ ክሳብ ክንደይ ህዝባውን ወሳንን ምንባሩ ትምህርቲ ክቐስመሉ ዝግበኦ እዩ ።
ጉጅለ ህግዲፍ ካብ መሰረቱ ዝተዘርገን ማእዝኑ ዘጥፈአን ብምዃኑ፡ እንተነፊዕና እቲ “ንረብሓይ” ኢሉ ዝኸዶ መንገዲ እውን ኣዝዩ ተመዝማዝን ተገልቢጡ ንዓኡ ዘላትሞን ምዃኑ ንከታተሎ ኣለና። ኣብዚ ዝሓለፈ ዳርጋ 2ተ ዓመታት ህልውናኡ ንምዕቃብን ዕድመ ስልጣኑ ንምንዋሕን ኢሉ፡ ምስ መንግስቲ ኢትዮጵያ ዘይግሉጽን ኢደ-ወነናውን ዝምድና ምስ ፈጠረ፡ ኩሉ ዝገብሮን ዝዛረቦን ዕድመኡ ዘንውሕ ዘይኮነ ዕድመኡ ዝሕጽርን ካብ ህዝቢ ኤርትራ ዘነጽሎን ዘቃለዖን ምንባሩ ተዓዚብናዮ ኣለና። ንሱ እውን ደጊም ጠቕሊሉ መታለሊ ስብከት ስለ ዝተወደኦ ካብ ኤርትራ ክወጽእ እንከሎ ብዛዕባኡ ክዝረብ እንተዘይኮይኑ፡ ኣብ ውሽጢ ሃገር ንኤርትራዊ ዛዕባ ዝምልከት ድምጹ ሃጢሙ፡ ኣብታ ጉብጥሹ ምሕባእ ኣብ ዝመረጸሉ ሃላዋት እዩ ዘሎ።
እምበኣር ነዚ ዝተጠቕሰ ኩነታት ኣብ ግምት ኣእቲና፡ ናብቲ በሊሕ ናይ ተግባር ስጉምቲ ንምስጋር ከም ናይ ሚኒሶታ ተበግሶን ማዕበል ይኣክልን ዝኣመሰሉ ንቕሎታት መመሊስና ከነሕይሎም ይግበኣና። ኣብ መንጎ ውድባት፡ ሰልፍታት፡ ጽላላት ኮነ ማሕበራትን ዝግበር ናይ ሓቢርና ንስራሕ ዘተታት ኮነ ስምምምዓት ነዚ ዝተጀመረ ንቕሎታት ኣብ ግምት ዘእቱን መሊሱ ዘራጉድን እምበር፡ ነቲ ሓደ ኣፍሪስካ ነቲ ካልእ ብምውጣን ኣብ ስርሕ ብትን ክንነብር ኣይግበኣናን። እንበጽሖም ሓቢርካ ናይ ምቅላስ ስምምዓት፡ ንኹልና ብዘይኣፋላላይ ዘሳትፉ ሰፋሕቲ ጽላላት ከኾኑን ካብ “ኣብ ንሕና ዝበልናኩም እተዉ” ዝሕመረቱ ወጺእና ንዝቐርብ ቅኑዕ ሓሳብ ርዒምና ክንክተል ጻዕርታትናን ናይ ምቕባል ቅርቡነትናን ክነሕይል ይግበኦ። እንበጽሖም ስምምዓት ነቶም ኩነታቶም ወጊኖም ዝስዕቡና ዘብህግን ዝዕድምን “ኣብ ንሕና ዝበልናኩም እተዉ” ዝሕመረቱ ዘይኮነ፡ ናታቶም ቅኑዕ ዝበልዎ ሓሳብ ሒዞም ዝቐርቡሉ ተረድኦ ኣብ ግምት ብዘእተወ ክስራዕ ይግበኦ። ነዚ ክንበቅዕ ከኣ ቀጻሊ ዘተታት ካብ ምግባር ክንስልኪ ኣይግበናን። ኣብዚ ግና ሕጂ’ውን ብዘይብቑዕ ምኽንያት ግዜ ዘይምብላዕ ኣይንዘንግዕ።
ኣብ ዝተወሰነ ግዜ ኩልና ዓደምቲ ክንከውን ኣይንኽእል ኢና። ሓደ ኣካል ተበግሶ ምስ ወሰደ ኣብ ርእሲ እቲ ናቱ ተበግሶ መበረኺ ጡብ ናይ ምንባር ተመላላኢ ባህሊ ከነጥሪ ይግበኣና። ኣብ ከምዚ ኩነታት ከነስምዕ ጥራይ ዘይኮነ ክንሰምዕ እውን ድሉዋት ንኹን። ብሓጺሩ ክንቅበል ኮነ ክንነጽግ እንከለና ኣብ ርትዓዊ ምኽንያት ክንምስረት ይግበኣና። መዋጸኦ ኢልና ኣብ ዘቕረብናዮ ሓሳብ ካብቲ ብዕሙት ዝድግፈና ኣብ ተግባር ግና ዘይተግህ፡ ብዝድህሰስ ምኽንያት ንዘይቅበለና ክብሪ ክንህቦን ነቲ ናቱ ዝሓሸ መተካእታ ከም ናትና ክንወስዶን ይግበኣና።
ብዛዕባ ናይቲ ንጽዕተሉ ዘለና፡ ብሓባር እንተ ተቓሊስካ ዝርከብ ጸጋን ዓወትን ሓደ ዛንታ ክንጠቅስ፡ ቁጽሪ 9 ንቁጽሪ 8 ይውቕዖ’ሞ፡ ስለምንታይ ከም ዝወቐዖ እንተሓተቶ “ካባኻ ስለ ዝዓቢ እየ ወቒዐካ” ኢሉ ይምልሰሉ። ቁጽሪ 8 ከኣ ነቲ ናይ ቁጽሪ 9 ግጉይ ምኽንያት ከም ቅኑዕ ወሲዱ፡ ነቲ ካብኡ ዝንእስ ቁጽሪ 7 ይወቕዖ። ከምኡ እንዳበለ እቲ ምውቕቓዕ ክሳብቲ ዝነኣሰ ቁጽሪ 1 ይወርድ። ቁጽሪ ሓደ ነቲ ትሕቲኡ ዘሎ 0 (ባዶ) ቅድሚ ምውቅዑ ይሓስብ እሞ፡ “ካብ ዝወቕዖ መስርዕና ሓሊና ተቐራሪብና ግዳ ዘይንዓቢ ዘይብሎ” ኢሉ ይውስን። ከምቲ ውሳንኡ ን0 (ባዶ) ይውከሶ እሞ 0 ነቲ ናይ ምቅርራብ ሓሳብ ብጸጋ ይቕበሎ። ተሰማሚዖም ምስተቐራረቡ ከኣ 10 (ዓሰርተ) ኮይኖም ካብ ኩሎም ዝዓበዩ ኮኑ ይበሃል። ስለዚ ብሓሳብ ካብ ተረዳዳእና፡ ብግብሪ ተቐራሪብና ብሓባር ንቕድሚት ንሰጉም።
ርእሰ-ዓንቀጽ ሰዲህኤ
ፖለቲካዊ መስርሕ ሃገርና፡ ሓጐጽጐጽ ዘይተፈልዮ፡ ነዊሕ ዝተጓዕዘ፡ ብኣዝዩ ዝተሓላለኸ ስርሒታት ዝሓለፈ፡ ናይ ኣእላፍ ንጹሃት ዜጋታት ደም ዝፈሰሶን ኣዕጽምቲ ዝተኸስከሶን፡ በዓል ሃብታም ተመኩሮ ምዃኑ ኣይኮነንዶ ንዓና ንዋናታቱ፡ ናይዚ ከባቢና ፖለቲካዊ መስርሕ ብዝከታተሉ ክኢላታት’ውን ዝተመስከረሉ እዩ። ተመኩሮና ኣውንታን ኣሉታን ዝሓቖፈ በብግዜኡ ናይ ብዙሓት ወገናት ተሳትፎ ዘተኣናገደ ረቂቕ ሰንሰለታዊ ኮይኑ፡ ሕጂ እውን ቀጻሊ ዘሎ ፍጻመ እዩ። ተመኩሮና ናትና ናይ ኤርትራውያን ጥራይ ዘይኮነ፡ ኣእዳው ብዙሓት ነናቶም ሕሳባት ዝነበሮም ወገናት ክኣትዎ ዝጸንሐ እዩ።
ናይ ዝኾነት ሃገር ተመኩሮ፡ ናይ ግዳም ኢድ ዘየብሉ ገዛ ዓጺኻ ዝስራሕ ከምዘይኮነ’ኳ ንርዳእ እንተኾነ፡ ናትና ግና ብሰንኪ ኣብ ኣዝዩ ተበሃጊ ኩርናዕ ዓለም እንርከብ ምዃና፡ እቶም ኣብ ጉዳይና ውጥም ቅልቅል ዝበሉ ሰብ ሓያል ህርፋንን ነዊሕ ኣባትርን እዮም። ብሰንኪ እዚ እዩ ከኣ ኣብ ብዙሕ ዞባውን ዓለማውን ታሪኻዊ ኣጋጣምታትን መድረኻትን ጉዳይ ሃገርና ብምርጫን ስምዒትን ህዝብና ዘይኮነ፡ ብረብሓ ናይ ደገ ሓይልታት ክውገን ዝጸንሐ። እዚ ናይ ግዳም ህርፋን ኣብ ውሽጢ ሃገር ዘስፋሕፍሓሉ ምቹእ ባይታ ክረክብ እንከሎ ክሳብ ክንዳይ ጐዳኢ ከም ዝኸውን ከኣ እቲ ሃብታም ዝበልናዮ ተመኩሮና የረደኣና። እቲ ኣዝዩ ዘተሓሳስብ ከኣ፡ ሎሚ እውን ንዝሓለፈ ተመኩሮና ብጌጋ ካብ ዝቓኒ ሓደጋ ናጻ ዘይወጻእና ምዃና እዩ።
“ካብ ተመኩሮና ንመሃር” ክንብል እንከለና፡ ነቲ ኣውንታ ምስ ህልዊ ኩነታት ብዝሰማማዕ ኣገባብ ነማዕብሎ፡ ነቲ ኣሉታዊ ጐኑ ድማ ኣይንድገሞ ማለትና እምበር፡ ነቲ ሓንሳብ ምስተፈጸመ ዘይምለስ ኣሉታ ንድሕሪት እንዳጠመትና ብኣኡ ንቘዝም ማለት ኣይኮነን። ንኣሉታዊ ተመኩሮ ካብኡ ተማሂርና እንተዘይደጊምናዮ፡ ከምቲ “ገ እንዳበሉኻዶ ትጋገ” ዝበሃል፡ እሙን መምህርና እዩ። ንዓኡ ነቲ ኣሉታዊ ተመኩሮ ከም ዘለዎ እንተደጋጊምናዮ ግና ካብ ብርሃን ንጸልማት ካብ ምምራጽ ፈሊኻ ዝረአ ኣይከውንን እዩ።
ተመኩሮና ብዓበይትን ናእሽቱን ፍጻመታት ዝተቐመረ እዩ። ኣብቲ ካብ ተመኩሮ እንመሃረሉ መስርሕ እምበኣር፡ ቀንዲ ቆላሕታ ክንህቦም ዝግበኣና፡ ናቶም ጽልዋ ዘለዎም ዓበይትን ዛዕባታት ክኾኑ ይግበኦም። ምዕቃብ ሓድነት ህዝብን መሬትን ኤርትራ፡ ምሕላው ልኡላውነት ሃገር፡ ምርግጋጽ ብዙሕነታዊ ሓድነት፡ ምንጻር ዘሰማምዓካን ዝፈላልየካን ዛዕባታትን መጻኢ መንገድኻ ብኣኡ መሰረት ምጽራግን … ወዘተ ካብ ተመኩሮና ክንመሃር እንከለና፡ ዝያዳ ከነድህበሎም ዝግበኣና ኣዕኑድ እዮም። ብመንጽር እዞም ዝተጠቕሱ ገዘፍቲ ሃገራዊ ዛዕባታት፡ ተመኩሮና ክንመዝን እንከለና፡ ጌና ዘተኣማምን ንድሕሪት ዘይምለስ መልክዕ ዘየትሓዝናዮም ጉዳያት ንረክብ ኢና። እዚ ከኣ ብዘተኣማምን ደረጃ ከይንውግኖም ዝዓንቀፉና ሕጽረታት ከም ዘለዉና ዘመልክት እዩ። ካብ ተመኩሮና ንምሃር ማለት ከኣ ነዞም ሕጽረታት ክትኣሊ፡ ኩሉ ዋጋ ክትከፍል ድልዊ ምዃን ማለት እዩ። እዚ ቅሩብነት እንተልዩን ቅድሚ ኣጻብዕትኻ ናብ ካለኦት ምምልካት ብዛዕባኻ ክትሓስብ ቅሩብነት እንተልዩ ዘይከኣል ዘይኮነስ፡ እኳ ደኣ ቀሊል እዩ።
ካብ ተመኩሮና ዘይምምሃር ሳዕቤኑ ኣብ ከምዚ ዘለናዮ ናይ ሰንፈላል ኩነታት ምንባር ጥራይ ኣይኮነን። ምናልባት እውን ጠቕሊልና ካብ ፖለቲካዊ መስርሕ ሃገርና ክንወጽእ ንኽእል። ናትና ካብቲ ውራይና ዝሕንብሰሉ ፖለቲካዊ መስርሕ ምውጻእ ከኣ ሳዕቤኑ ኣብ ጉዳይ ህዝብን ሃገርን ኤርትራ ክሳብ ክንደይ ሓደገኛን “እንጉይ ዝብኢ ብላዕን” ከም ዘስዕብ ፍሉጥ እዩ። ስለዚ ካብ ተመኩሮና ንመሃር ማለት ካብዝን ካልእ ከጋጥም ዝኽእል ሓደጋን ምድሓን ማለት እዩ። ሎሚ ንሕና እቶም መሰረታዊ ለውጢ ከነምጽእ ንሃልኽ ዘለና ኤርትራውያን እንተዘይተዓዊትና፡ እቶም ንረብሓኦም ክብሉ ህዝብን ሃገርን ዝውሕጡ ናይ ቀረባን ርሑቕን ኣዛብእ ካብ ደገ ዝመጹ ጥራይ ዘይኮኑ፡ ኣብ ማእከል ሃገርና እውን ይንቅዉ ምህላዎም ነቲ ሓደጋ መሊሱ የግድዶ። ሎሚ ክንዲ ኢሳያስን ኮራኩሩን ዝኣኽሉ ጉልባቦም ዝቐልዑ ኣዛብእ ኣቐሚጥና፡ ንድሕሪት ተመሊስና፡ ነቶም ኣብ ዝሓለፈ ታሪኽና ዝተጋገዩ ብምርጋም፡ ኣብ ክንዲ ንቕድሚት ምምዕዳው ናይ ዝሓለፈ ታሪኽ እሱራት ኣብ እንኾነሉ ኩነታት ኣይኮናን ዘለና።
ከምቲ ካብ ተመኩሮና ክንመሃር እንከለና፡ ኣብ ፍሩያትን ጸለውትን ዛዕባታት ዝያዳ ነቕልብ ዝበልናዮ፡ እስኪ ከም ናይ ለውጢ ሓይልታት ብዛዕባቲ ወሳንነት “ፍልልያትካ ኣመሓዲርካ፡ ኣብቲ ዘሰማምዓካ ዛዕባታት፡ ኩልኻ ኣብ ዝተሰማማዕካሉ መእከቢ መድረኽ ብሓባር መስራሕ ህዝብን ሃገርን ኣብ ምድሓን መተካእታ የብሉን” ዝብል ነቕልብ። ብዛዕባኡ ትንፍስና ውሒጥና ንሕሰብ። በቲ ጀሚርናዮ ዘለና ምቅርራባት ትስፉዋት ንኹን። “ይከኣል” ዕጥቅና ይኹን። ነዚ ክንበቅዕ እንተዘይክኢልና ግና ካብ ኣሉታዊ ተመኩሮና ከምዘይተመሃርና ንተኣመን። ምኽንያቱ በበይንኻ ምውፋር ፋይዳ ከም ዘይብሉ፡ ናይ 40ታት፡ 50ታት፡ 60ታትን 70ታትን ዘይኮነ፡ ናይዚ ዘለናዮ እዋን ተመኩሮና ኣርእዩና እዩ። ኣብ ክንዲ ካብኡ ተማሂርካ ናይ ሓባር መንገዲ ዓወት ምቕያስ፡ በቲ ዓዲ ዘየእቱ መንገዲ በበይንኻ ምውፋር እንተቐጺልና ግና፡ ክሳብ ክንደይ ዕድመ ምልኪ ነናውሕ ከም ዘለና ካልእ ተዓዛቢ ክነግረና ክንጽበየሉ ኣይኮነን።
በዓል ኢሳያስ ዘተባብዕዎም ከም በዓል ኢትዮጵያዊ ታምራት ነገራ ዝኣመሰሉ ኣዛብእ ኣብ ቅድሜና እንዳነቀዉን ክውሕጡና እንዳንበሃቑን ደቂስና ንሓድር እንተሊና የለናን ማለት እዩ። ሎሚ ኣበይን ኣብ ከመይ ዝኣመሰለ ፖለቲካዊ ውደባን ንሃሉ ብዘየገድስ፡ ኩልና ሰብ ሕድሪ ስዉኣት ኤርትራውያን ብግብሪ መዋጸኦ ክንረኽበሉ ኣብ ዝግበኣና ወሳኒ እዋን እምበር፡ ርእስኻ እንዳሓኸኽካ “እዚ ሰብኣይዚ እንከሎ ሰላምን መሰልን የለን” እናበልካ ኣብ እተዕረምርመሉ እዋን ኣይኮናን ዘለና። እቲ ሎምስ ስሙ ክትጽወዖ እውን ዝኩርኩሕን ዘስገድግድን ነውራም ሰብኣይ፡ ጉዳይ ህዝብን ሃገርን ኤርትራ ጉዳዩ ከም ዘይኮነ፡ ካብ ዝነገረና ነዊሕ ኮይኑ እዩ። ናብ ኢትዮጵያ እንተገሸ፡ ኣባል ማሕበር ሃገራት ቀይሕ ባሕርን ወሽመጥ ባብኤል መንደብን እንተኾነን ንኻልእ ጉዳይ ፈቐድኡ እንተገሸን ሸቶኡ ሓንቲ እያ። ንሳ ድማ ዕድመ ልክዕ ኣብ ስልጣን ምቕጻል።
ርእሰ-ዓንቀጽ ሰዲህኤ
“From the point of view of justice, the opinion of the Eritrean people must receive consideration. Nevertheless, the strategic interest of the US in the red sea basin and consideration of security and world peace make it necessary, that this country has to be linked with our ally Ethiopia. /ብመንጽር ፍትሒ፡ ርኢቶ ህዝቢ ኤርትራ ኣብ ግምት ክኣቱ መተገበአ። እንተኾነ ኣብ ጋብላ ቀይሕ ባሕሪ ዘሎ እስትራተጅያዊ ረብሓ ኣሜሪካን ናይቲ ከባቢ ድሕነትን ናይ ዓለም ሰላም ኣገዳስነትን ኣብ ግምት ብምእታው፡ ምስ መሓዛ ኣሜሪካ ዝኾነት ኢትዮጵያ ክትቁረን ኣለዋ።/” (ሽዑ ኣብ ሕቡራት ሃገራት ኣምበሳድር ኣሜሪካ ዝነበረ፡ ጆን ፎስተር ዳሉስ ብ1952 ካብ ዝበሎ።)
@@@@@@@@@@
“1) ኣብቲ ምስ ኢትዮጵያ ዝተኸየደ 19 ሺሕ መንእሰያት ዝተሰውእሉ ዳሕረዋይ ውግእ ኣይከሰርናን፡ 2) ነቲ ልዕሊ 60 ሺሕ ዝተሰውእሉ፡ ናይ 30 ዓመታት መሪር ቃልሲ ምእንቲ ናጽነት፡ ሰለስተ ወለዶታት ኣባኺንና፡ 3) ኤርትራን ኢትዮጵያን ክልተ ህዝቢ`ዩ ዝብል ታሪኽን ሓቅን ዘይፈልጥ`ዩ” (ኢሳይያስ ኣብ መገሽኡ ናብ ኢትዮጵያ ዝበሎ)
ከምቲ “ትውሕጦ እንተበልኩዋስ ትጐስሞ” ዝበሃል፡ ኢሳያስ ኣፈወርቂ፡ ምስ ቀዳማይ ሚኒስተር ኢትዮጵያ ሓድሽ ዕርክነት ካብ ዝጅምር ንነጀው፡ ብዙሓት ኣገረምትን ንኤርትራዊ ልኡላውነት ኣብ ሓደጋ ዘእትዉን ቃላት ክድርቢ ጸኒሑ እዩ። መብዛሕትና ኤርትራውያን’ኳ እዚ ረብሓ ህዝቢ ዘይረብሓኡ ዲክታቶር፡ ከምኡ ክብል ካብ ግምትና ወጻኢ እንተዘይነበረ፡ ውሑዳት “ደገፍቱ ኢና” በሃልቲ ውልቃውነት ዝዓንደረሎም ግና፡ ነቲ ቅድም ኣብ ፈቐዶ መድረኻት፡ ኮነ ኢሉ ዝበሎ ክነሱ፡ ከም ምላቕ ቆጺሮም “ድሕሪ ሕጅስ ኣይክደገሞን ግዲ ይኸውን” ዝብል ግምት ነይርዎም። ንሱ እቲ ጽሉልን ዘራግን ሰብኣይ ግና፡ ኣብዚ ቀረባ መዓልቲ ናብ ኢትዮጵያ ከይዱ፡ ናይ ብሄር ኦሮሞ ባህላዊ ክዳን ምስ ለበሰ፡ ከም ኣመሉ ብዘይርጉእ መንፈስ፡ ነቲ ህዝብና ተቓሊሱ ክንዲ ነጻነትን ልኡላውነትን ዝኣክል፡ ክቡር ኣኽሊል ዝደፈኣሉ መዋእል “ሰለስተ ወለዶታት ኣባኺንና” ብዝብል ልቢ ናይቶም ንነጻነት ኤርትራ ተሳዒሮም እምበር፡ ፈትዮም ዘይተቐበልዎ ኢትዮጵያዊ ወናገት ብዘረስርስ ላዛ ክገልጾ እንከሎ ሰሚዕናዮ። እዚ ምስቲ ኣብቲ ናይ 1998-2000 ውግእ ኤርትራን ኢትዮጵያን ኣይከሰርናን ምባሉ ደሚርካ ክምዘን እንከሎ፡ ክሳብ ክንደይ ካብ ባህጊ ህዝቢ ኤርትራ ይርሕቕ ምህላዉ ምግማት ኣየጸግምን፡
ወዮ በቲ ገለ ኤርትራውያን ምዃኖም ዘጠራጥሩ ወገናት፡ ነቲ ናይ 30 ዓመታት ህዝባዊ ቃልስና፡ ተራ ሽፍትነት፡ ናይቶም ናይቲ መስርሕ ስዉኣት ከኣ ተራ ምዉታት’ዮም፡ ብምባሎም ቆሲሉ ዘሎ፡ ናይቲ ደቁ ዝገበረ ህዝቢ ኤርትራ ልቢ፡ እዚ ዲክታተር መሊሱ ጐዲኡ ኣድምይዎ እዩ። እዚ ከኣ ከምቲ “ካብ ዓበቕካስ ተቖናደፍ” ዝበሃል፡ መሊሱ ነቲ ናይ ጥልመት መንገዱ’ዩ ዘጋድዶ ዘሎ። ወዮም “ኮንደኾን ናብ ልቡ ይምለስ” ዝብል ተስፋ ዝነበሮም ተደናገጽቱ፡ ደጊም ካብዚ ዲክታቶር ተስፋ ቆሪጾም ኣብ መስርዕ ምድሓን ሃገርን ህዝብን ክጸንዑ ዝጽውዕ’ውን እዩ።
“ኤርትራዊ ልኡላውነት ብቃልሲ ህዝቢ ዝተረጋገጸ፡ በዕጽምቲ ስዉኣት ዝተነደቀን ብደሞም ዝተለሰነን ነባሪ መዘክርን ታሪኽን ስለ ዝኾነ፡ ብድሕሪ ሕጂ ብዘይ ድሌትን ፈቓድን ህዝቢ ብኢደወነናዊ ወስታ፡ ንድሕሪት ኣይምለስን እዩ፡ ዝብል መደምደምታ ኩልና ኤርትራውያን እንሰማመዓሉ እዩ። እንተኾነ ዝሓለፈ ተመኩሮናን ሎሚ ንርእዮ ዘለና ዘይጥዑይ ምልክታትን በቲ ኣቐዲሙ ዝተጠቕሰ መደምደምታ ጥራይ ተኣማሚንና ኣብ እነራጥጠሉ ኩነታት ከም ዘየለና ክንርዳእ ከድልየና እዩ። ታሪኽና ከም ዝሕብረና፡ ኣብ ሓደ መድረኽ፡ ጉዳይና ንድሌት፡ ምርጫን ባህግን ህዝቢ ኤርትራ ጓስዩ፡ ናይ ሓያላት ከባብያዊ ረብሓ ኣቐዲሙ ስለ ዝተቓነየ ክሳብ ክንደይ ኣብ ሓደጋ ከም ዝወደቕና ንሕና ኤርትራውያን ንዝክሮ ኢና። እዚ ተመኩሮዚ ሎሚ እውን ነቒሕናን ተወዲብናን እንተዘይዓቂብናዮ ዘይድገመሉ ምኽንያት የብሉን። ናይ ኢሳያስ ኣፈወርቂ ወልደፍደፍን ናይ ግዳም ኣዕንገልቱ ውጥም ቅልቅልን ከኣ ከነቕልበሉ ዝግበኣና መጠንቀቕታ እዩ።
ኣብዚ እዋንዚ፡ ኩሉ’ቲ ዘራጊቶ ኢሳያስ ዝገብሮ ተዋሰኦታት መዳህለሊ ኮይኑ፡ ሓቀኛ ዕላማኡ ኣብ ስልጣን ምቕጻል ጥራይ እዩ። ናይ መራሒ ሱዳን ዝነበረ፡ ዑመር ኣልበሽር ዕድል ከመይ ከም ዝኾነ እንዳረአየ፡ ኣብ ኢድ ህዝቢ ኤርትራ ዝወድቀሉ ኣፍደገ ክኸፍት ባህርያዊ ኣይኮነን። ኢሳያስ ነዚ ዓይኑ ዘይሓስየሉ፡ ኣብ ስልጣን ናይ ምቕጻል ሕልሙ ብጽቡቕ ድሌትን ፈቓድን ህዝቢ ኤርትራ ክረኽቦ ዝነበሮ ዕድል ከም ዝሃደሞ ይፈልጥ እዩ። ምኽንያቱ ግብሩ ስለ ዝፈልጥ። ስለዚ በቲ ሓደ ወገን ብዘይካ ኣብ ስልጣን ምቕጻል ካልእ መተካእታ ካብ ዘይሃለዎ፡ በቲ ካልእ ወገን ከኣ፡ ነዚ ህጣራ ድሌቱ ብፈቓድ ህዝቢ ኤርትራ ከውሕሶ ዘይክእል ምዃኑ ካብ ተረድአ፡ ካልእ ነዚ ጻምኡ ኣብ ምርዋይ ዝሕግዞ ሓይሊ ዳምዳም ክብል ባህርያዊ እዩ።
ኢሳያስ ኩሉ መደርኡ፡ መገሻኡን ስምምዓቱን ናብዚ ዘቕነዐ እዩ። እቶም ነዚ ጥሙሑ ኣብ ምውሓስ ዝሕግዝዎ ወገናት ንጽድቂ ዝሰርሑን ዘስንቑን ዘይኮኑስ፡ ኣብቲ ብዋጋ ልኡላውነትና ከረጋግጽዎ ዝብህጉ ከባብያዊ ረብሓ ይሕግዝ እዩ ኢሎም ስለ ዝኣመንሉ እዩ። እቲ ኢሳያስ ኣብ ፈቐዶ መድረኽ ኣብ ኢትዮጵያ ድዩ ካለኦት ሃገራት ከይዱ፡ ዘስምዖ ዘይርጡብ መደረታት እምበኣር፡ ክልተ ብልሒ ዘለዎ እዩ። በቲ ሓደ ወገን ንህዝቢ ኤርትራ ይጠልሞ ከም ዘሎ ክመላኽት እንከሎ፡ በቲ ካልእ ገጽ ከኣ፡ ነቶም ዞባዊ ረብሓና ኤርትራዊ ልኡላውነት ብምኽላስ እዩ ዝረጋገጽ ዝብሉ ወገናት ከኣ ተኣማንነቱ እዩ ዝገልጸሎም ዘሎ።
እቶም ኢሳያስ ከምቲ ዝለኣኽዎ ዝኾነሎም ዘሎ ናይ ግዳም ወገናት፡ ክንእድዎ፡ ከቀባጥርሉን ኣዋርቕ ክሽልምዎን እዮም። ምናልባት እውን ካልእ ዘይበልዖ ናይ ሕልሚ እንጀራ ይሓልምሉ ይኾኑ። ንሕናኸ? ንሕና ከኣ “በቲ ካልእና ደኣ ንግበር እምበር፡ ኤርትራዊ ልኡላውነትናስ ኣይክኹለፍን’ዩ” ብዝብል ዕግበት ከየራጠጥናን ከየስተርሓናን፡ ነቲ ክፍጠር ዝኽእል ውዲት ትኩራት ኮይና ክንቋመቶ ይግበኣና። እዚ ልዕሊ ኩሉ ዝስራዕ፡ ኤርትራዊ ኣጀንዳ ስለ ዝኾነ፡ በቲ መጻኢት ኤርትራ ከመይ ትመራሕ ዝብል ዘለና ዘይመሰረታዊ ፍልልያት ከይተሻበብና፡ ብሓደ ቃልን ስሙር ቅልጽምን ክንቃለሶ ይግበኣና። ኣብዚ ደጋፍን ተቓዋምን ስርዓት ዝበሃል የለን። ምኽንያቱ እቲ ኣጀንዳ ልዕልቲ ኣብ ህልውቲ ኤርትራ ዝንጸባረቕ ናይ ኣተሓሳስባ ፍልልይ ዝስራዕ ስለ ዝኾነ። ግደና ኣብ ምዕቃብ ልኡላውነት መሰረታዊ ስለ ዝኾነ ኢና ከኣ “ታሪኽ ይደገምዶ ኣይድገምን ኣብ ኢድና’ዩ” ንብል ዘለና።
ርእሰ-ዓንቀጽ ሰዲህኤ
ናይ ዓሚ፡ ሎምዘበንን ንዓመታን ምቅብባል፡ ብማንም ዘይድንጉን ዘይቅልጥፍን ብናቱ ሕጊ ዝምራሕ ቀጻሊ መስርሑ ሓልዩ ዝኸይድ ጉዕዞ እዩ። ናይዚ ብናይ ገዛእ ርእሱ ሕጊ ዝቀባበል ናይ ግዜ መለክዒ ዓመት ንውሓት ማዕረ 12 ኣዋርሕ እዩ። ዝኾነት ዓመት ናታ ማዕረ ትዕድልቲ ዘለዋ ክትከውን እንከላ፡ ኣብታ ዓመት እንታይ ተሰሪሑን እንታይ ኣይተሰርሐን ግና ብኣና በቶም ኣብኣ እንዋሳእ ኣካላት ክቀያየር ዝኽእል እዩ።
ሓንቲ ዓመት ናይ ሰላም ኮይና እታ ካልእ ናይ ህውከት፡ ሓንቲ ዓመት ናይ ዓወት ኮይና እታ ካልእ ናይ ስዕረት፡ ሓንቲ ዓመት ናይ ሃብትን ጽጋብን ኮይና እታ ካልእ ከኣ ናይ ጥምየትን ጸገምን …… ወዘተ ንክኾና ተፈጥሮኣዊ ጽልዋ የብሉን እኳ እንተዘይተባህለ፡ እቶም ቀንዲ ቀየርቲ ንሕና እቶም ብዓመት እንዳተለከዐ ናይ ግዜ ጸጋ ዝውሃበና ሰባት ኢና። ከምቲ “ልብን ሳዕርን እንዳሓደረ ይበቁል” ዝበሃል፡ ወዲ ሰብ፡ ካብቲ ሰብ ዘብሎ ካብቲ ዝሓለፈ ተመኩሮኡ ተማሂሩ ንመጻኢ ብዝሓሸ ክጥቀመሉ ክበቅዕ እንከሎ እዩ። ንኣብነት ካብዛ ነፋንዋ ዘለና ዓመተ- 2019 ተመኩሮና ተማሂርና፡ መጻኢት ሓዳስ ዓመት 2020፡ ዝሓሸ ዓወት ከነመዝግበላ ክንበቅዕ ኣብ ቅድሜና ከቢድ ሓላፍነት ኣለና። ኣይግበሮ እምበር፡ ናይዛ ንኣትዋ ዘለና ዓመት ኣበርክቶና ካብታ ዝሓለፈት ዓመት ዘይማዕበለ ምናልባት እውን ዝተሓተ እንተኮይኑ ከኣ ዘይዕግበትና ንምንጽብራቕ “ክላእ ዓሚ ይሓሽ” ኮይኑ ክብንል ክንግደድ ኢና። በዚ ኣጋጣሚ ካብ ንቕድሚት እንዳኸደ ብኣተሓሳስባ ንድሕሪት ምምላስ ወጺእና መጻኢት ሓዳስ ዓመት 2020 ኣብ ኩሉ መዳያት ዝሓሸ ኣስተዋጸኦ እነመዝግበላ ክትከውን ተስፋና ልዑል እዩ። ተስፋና፡ ተስፋ ጥራይ ኮይኑ ከይተርፍ ከኣ፡ ማዕረ ትምኒትናን ተስፋናን ንቕድሚት እንምርሽ ኮይና ክንበቅዕ ረዚን ሓላፍነት ኣብ እንርከበሉ ግዜ ኢና ዘለና። እዚ ከኣ ብሃውሪ ዘይኮነ፡ ዓቕምኻ ኣብ ግምት ኣእቲኻን ቀዳምነትካ ኣለሊኻን መደብ ብምትላም ዝዕመም ዕማም እዩ።
ኣብዚ እዋንዚ ኮይና፡ ከነመዓዱ እንከለና፡ ቀንዲ ቆላሕታና መጻኢ ሓድሽ ዓመት ክኸውን ከም ዝግበኦ ርዱእ ኮይኑ፡ ናይ ዝሓለፈን መጻእን ዘንተ-ምትእስሳር ንምዕቃብ ብዛዕባዛ ነፋንዋ ዘለና ተመሊሳ ዘይትመጽእ ዓመት እውን ንሕና ሓይልታት ለውጥን ወጻዒ ጸረ ህዝቢ ጉጅለ ህግዲፍን ገጽንገጽ ከመይ ከም ዘሕለፍናያ ሓደ ሓደ ጉዳያት ምትንካፍ ኣገዳሲ እዩ።
ብመንጽር እዚ ኣብ 2019፡ ኣብ ደንበ ኤርትራዊ ሓይልታት ለውጢ፡ ናይ “ይኣክል” ማዕበል መሊሱ ዝነደረላን ውዱብን ዘተኣማምንን መልክዕ ንምትሓዙ ተስፋ ዝህብ ጻዕሪ ዝተኻየደላ ዓመት ነይራ። ብዘይካዚ ዝተፈላለዩ ተቓወምቲ ህዝባዊ ምንቅስቓሳትን ፖለቲካዊ ውድባትን ሰልፍታትን ኤርትራ ሓደ ብዘይ’ቲ ካልእ ከም ዘየድምዑ ተገንዚቦምን ሓቛፊ ኣተሓሳስባ ኣጥርዮምን ምቅርራቦም ዘሕየሉላ ዓመት እውን ነይራ። ካብዚ መንፈስ’ዚ ዝተበገሰ ድማ’ዩ 3ይን ሓድነታውን ጉባአ ሰዲህኤን ሃገራዊ ድሕነት ኤርትራ-ሕድርን ተሰላሲሉ ኣብ ሓደ ሰልፊ ዝመጸላ ዓመት ዝኾነት። ኣብ ርእሲዚ ፖለቲካዊ ውድባትን ሰልፍታትን ኤርትራዊ ደንበ ለውጢ፡ ነቲ ክሳብ ሕጂ ከሳቕዮም ዝጸንሐ ብሓባር ክትሰርሕ ናይ ዘይምብቃዕ ሃጓፍ ንምምላእ ሓያል ጻዕሪ ዘካየድላን ናብቲ ንጽበዮ ፍልልይ ዝሓቁፍ ሓድነት ዝወስድ ኣንፈት ምትሕግጋዝ፡ ምጽውዋርን ምትሕብባርን ዝሓዙላ ዓመት ነይራ። እዚ ኩሉ ኣንፈታት ውንዙፍ ኮይኑ ኣብዛ ንቕበላ ዘለና ዓመተ-2020 ኣብ ኣድማዒ ውጽኢት ምእንቲ ክበጽሕ ድልዉነትና ኣብ እነሕድሰሉ ድሮ ሓዳስ ዓመት ንርከብ ኣለና። እዚ ጥራይ ዘይኮነ በቲ ሓደ ወገን ዝተወደበን ዘይተወደበን፡ በቲ ካልእ ወገን ከኣ ኣብ ኤርትራ ዘሎን ኣብ ወጻኢ (ዲያስፖራ) ዝነብርን ህዝቢ ኤርትራ በቲ ኣብ ደንበ ለውጢ ዝምዕብል ዘሎ መራኸቢ ብዙሓን ተሓጊዙ ክናበብ ዝጀመረላ ዓመት ነይራ።
ኣብ እንዳ ጉጅለ ህግዲፍ ብኣንጻሩ፡ እቲ ጉጅለ፡ ኩሉ ህዝቢ ከታልለሉ ዝጸንሐ መሕብእታት ኣገልግሎቱ ወዲኡ ፈሪስዎ፡ ኣብ ጐልጐል ከም ዝወገሖ ዝብኢ ቁሊሕሊሕ ዝበለላ ዓመት ነይራ። ዝያዳ ኩሉ ከኣ ይትረፍዶ ዝማዕበለት ሓዳስ ኤርትራ ኣብ ምህናጽ ከበርክት፡ ንቀንዳ ነታ ልኡላዊት ኤርትራ እውን ኣብ ሓደጋ ናይ ምውዳቕ ድጉል ሕልሚ ከም ዝነበሮ ብንጹር ዝተቓለዓላ ዓመት ነይራ። እቲ ጉጅለ ካብዚ ባዕሉ ዝዛረብ ተንኮሉ ንክሃድም ብዙሓት ሓሶታት ሰኒዑ ናብ ዕዳጋ ወሪዱ ዓዳጋይ ዝሰኣነላ ዓመት ከኣ ነይራ። ህግዲፍ ካብቲ ንሓያሎ ዓመታት ተዓጽይዎ ዝነበረ መዳጐኒ ዝወጸ ከምስል፡ ምስ ዝተፈላለዩ ኣካላት ዘይቅጽሎ ዝምድናታት ክገብር ፈቲኑ ምኽኣል ስኢንዎ ዘዕለበጠላ ዓመት ነይራ ምባል’ውን ይከኣል። ካብዚ ሓሊፉ ኣብ ከባቢኡ ብነገራዊ ጠቕምን ስልጣንን ኣህጢሩ፡ “ነቲ ሓደ ኣጆኻ ነቲ ካልእ ከኣ ወይለኻ” እንዳበለ፡ ኣኪብዎም ዝጸንሐ መዳኸርቱ ሓድነት እውን መእሰሪኡ ተፈቲሑ ዘልሓጥሓጥ ኣብ ዝበለሉ ደረጃ እዩ ዝርከብ ዘሎ። ኮታ ኣብዛ ነፋንዋ ዘለና ዓመት እቲ ካብ ቀደም እውን ናይ ቁልቁል ኣቕጣጫ ሒዙ ዝጸንሐ ጉዕዞ ህግዲፍ በቲ ዝሓዞ ኣንፈት ቅልጣፈ ወሲኹ ዝተነቑተላ ዓመት እያ ነይራ። ወዲቑ ምህላዉ ስለ ዝተገንዘበ ድማ’ዩ መድሕን ያኢ መሲልዎስ ንኣብይ ወራስ ዓራት ክኾኖ፡ ኣብይ እንተልዩ ኤርትራ ክትድሕን ከምእትኽእል ዝተተስፈወ።
ኣብዛ ንርከባ ዘለና ሓዳስ ዓመት እምበኣር፡ ንሕና ደንበ ለውጢ ብሓፈሻ ነቲ ሒዝናዮ ክነስና ኣብ ድማዕ ዘየብጻሕናዮ ጉዕዞ፡ ብሓድሽ መንፈስን ኣተሓሳስባን ንቕድሚት ምድፋእ ቀንዲ ስራሕና ክኸውን እዩ። ብፍላይ ከኣ ነቲ ንቕድሚት ክንጐዓዝ ወይ ኣብ ዘለናዮ ጠጠው ኢልና መፍቶ ህግዲፍ ክንከውን ዝውስን ጉዳይ ሓድነትን ሓባራዊ ስራሕን ሓይልታት ለውጢ ኣብ ኩሉ መዳያት ዝያዳ ክንወፍረሉ ናብ ዝግበኣና ዓመት ንኣቱ ከም ዘለና ብጽሞና ንረዳእ። ነቲ “ግዜ እንከለካ ግዜ ኣይትጸበ” ዝብል ረዚን ምስላ ነስተውዕሎ። ኣብ ዝሓለፈ ተመኩሮና እንተተመሊስና ነዊሕ ግዜ ኣባኺንና ብዙሕ ዕድላት እውን ሓሊፉና እዩ። ሎሚ ግና በቲ ባኺኑ ዝሓለፈ ግዜን ዕድላትን ጣዕሳና እንጽብጽበሉ ዘይኮነ፡ ንዓኡ ከይንደግሞ ኢና ክንጥንቀቕ ዝግበኣና። እንተ ህግዲፍ ደጊም ንቁልቁል ናይ ምንቋት እምበር ናብ ላዕሊ ናይ ምብራኽ ዕድሉ ኮነ ተስፋኡ ተዓጽዩ እዩ። ኣብዚ ድሮ ሓድሽ ዓመት ኮይና እምበኣር፡ ነቲ ህግዲፍ ክደክም እንከሎ ሓቢርካ ናይ ምድካም ዘይንቡር ኣካይዳና ቀይርና፡ ህግዲፍ እንዳደኸመ ክኸይድ እንከሎ፡ ንሕና ብኣንጻሩ እንሕይለሉ ሓድሽ ምዕራፍ ከነውሕስ ንበገስ።
ርእሰ-ዓንቀጽ ሰዲህኤ
“ሰዲህኤ፡ ኣብ መንጐ ውድባት ኤርትራ ዝኾነ ዓይነት ዘይምቅዳው ከጋጥም እንከሎ፡ ነቲ ፍልልይ ብዘተ ምፍታሕን ምምሕዳሩን ብኡ ኣቢልካ ድማ ኣብ ሕድሕድ ምክብባር ዝተመስረተ ጥዑይ ዝምድና ብምምስራት፡ ጸጋታትና ኣብ ምልዕዓልን ምውዳብን ህዝቢ ክቐንዕ ዝከኣል ጻዕርታት ክገብር እዩ፤” (ካብ ፖለቲካዊ መደብ ዕዮ ሰዲህኤ ዝተወስደ)
ከም ኤርትራዊ ሓይልታት ለውጢ፡ ካብ እንብህጎምን እናበሃግናዮም ዘይከኣልናዮምን ሓደ፡ ኣብ ትካላዊ ኣሰራርሓ ረጊጽና ዘሰማመዓናን ዝፈላልየናን ኣለሊና ኣንጻር ህግዲፍ ብሓባር ክንሰርሕ ዘይምኽኣልና እዩ። እዚ ወርትግ ከሻቕለና ዝጸንሐን ዘሎን ሕጽረትና እዩ። እንተኾነ ናይ ሓቢርካ ክትሰርሕ ምብቃዕን ዘይምብቃዕን ዕዙዝነት ዘይስገር ስለ ዝኾነን ካልእ መተካእታ ሰለ ዘይብልናን ኣብዚ ዛዕባዚ ተስፋ ከይቆረጽና ንጽዕት ምህላውና ከኣ ተስፋ ዝህብ እዩ።
ኣብዚ ቀረባ መዓልታት፡ ነቲ ብደገፍቲ ጉጅለ ህግዲፍ ኣብ ልዕሊ ኣማሓዳርን ጋዜጠኛን ተለቪዥን ኣሰና ኣቶ ኣማንኤል ኢያሱ ዘጋጠም ናይ መጥቃዕቲ ሃቐነ ንምቅዋም፡ ነቲ መንግስቲ ሱዳን ኣብ ልዕሊ ኤርትራውያን ስደተኛታትን ካለኦት ዜጋታትን ዝወስዶ ዘሎ ግህሰት ሰብኣውነት ንምውጋዝ፡ ከምኡ እውን ነቲ ኣብ ሃገረ እስራኤል ኣብ ሕድሕድ ኤርትራውያን ዘጋጠመ ካብ ባህልናን ልማድናን ወጻኢ ዝኾነ ጨካን ምቅትታል ዓገብ ንምባብ በብኹርናዑ ዝተራእየ ብሓባር ድምጽኻ ናይ ምስምዕ ተበግሶ ከምቲ “ሓደ ኢልካ ክልተ ዝበሃልን ዝቕጽልን” ንዓበይቲ ሓባራዊ ስረሓት ኣፍደገ ዝኸፍትን ምትእምማን ዝፈጥርን ስለ ዝኾነ ክተባባዕ ዝግበኦ እዩ።
ሓደ ካብቲ ናይ ሓባር ተበግሶታት፡ ኤርትራዊ ሃገራዊ ባይቶ ንዲሞክራስያዊ ለውጢ (ኤሃባዲለ)፡ ሰልፊ ዲሞክራሲ ህዝቢ ኤርትራ (ሰዲህኤ)፡ ሓድነት ኤርትራውያን ንፍትሒ (ኤሓፍ)፡ ሓድነት ንዲሞክራስያዊ ለውጢ (ሓዲለ)፡ ኤርትራዊ ሃገራዊ ግንባር (ኤሃግ)፡ ዝርከብዎ እዩ። እተን ኣንጻር ኣካያዲ ተለቪዥ ኣሰና ንዝተፈጸመ ዓመጽ ዝኹንን ሓባራዊ መግለጺ ዘውጸኣ፡ ባይቶታት ይኣክል፡ ካናዳ፡ ሕመኣ፡ ዓባይ ብሪጣንያን ደንማርክን እውን ንተበግሶአን ኣብ ህዝባዊ ሓባራዊ ዕማም ኣገዳሲ መንጸፍ ጌርና ኢና እንወስዶ። ቅድም ቀዳድም እዚ ተበግሶታት እዚ ህግዲፍ ነንዘሳወሮ ሓዊ ንምጥፋእ ጥራይ ዘይኮነ፡ ኣብ ህዝባዊ፡ ዜናዊ፡ ዲብሎማስያውን ካልኦት ሰክተራትን ናይ ሓባር ተበግሶ ንምውሳድ እውን ክቕጽል ይግበኦ። ምኽንያቱ እዚ ብሓባር ምስራሕ ክሳብ ክንደይ ሰፊሕ ሰማዒ እዚ ከም ዝረክብን ናይ ህዝብና ተስፋ ዘለምልምን ምዃኑ ዘመልክትን ንዝዓበየ ሓባራዊ ዕማም ባይታ ዘንጽፍን ስለ ዝኾነ። ካብዚ ሓሊፉ ናይዞም ዝጠቐስናዮም ሓሙሽተ ጽላላት፡ ሰልፍታትን ውድባት ጥራይ ኮይኑ ከይተርፍ ናይ ምስፍሑ ጻዕሪ እውን ክቕጽል ይግበኦ።
ብመሰረቱ ኣብ ቃልሲ ብሓባር ምስራሕ ኣድላይነቱ መሰረታዊ እዩ። ከምቲ እንደልዮ ደኣ ኣይተዓወተን እምበር ብሓባር ክትሰርሕ ናይ ምጽዓር ተመኩሮና ነዊሕ ዝዕድሚኡ ምዃኑ ነዚ እዩ ዘመልክት። ብፍላይ ኣብዚ እዋንዚ ብኽልተ መሰረታዊ ምኽንያታት ኣድላይነት ብሓባር ምስራሕ ኣብ ኣዝዩ ዝዓዘሉ መድረኽ ኢና እንርከብ። በቲ ሓደ ወገን ብጉጅለ ህግዲፍ ኣብ ልዕሊ ህዝብና ዝወርድ በደልን ጭቆናን ኣብቲ ኣዝዩ ዝኸፈአ ጫፉ ዝበጸሓሉ ግዜ ስለ ዝኾነ ኣገዳስነት ሓቢርካ ህዝብኻን ሃገርካን ምድሓን ብኽንድኡ ደረጃ ክብርኽ ናይ ግድን እዩ። በቲ ካልእ ወገን ከኣ ጉጅለ ህግዲፍ ኩሉቲ ካብ ህዝብና ሓቢእዎ ዝኸይድ ዝነበረ መንነቱ ተቓሊዑ መታለሊ ሓሩጩ ኣብ ዝወደኣሉ ግዜ ይርከብ ስለ ዘሎ፡ ሓቢርካ ናይ ምቅባጹ ኣገዳስነት ዝያዳ ኩሉ ግዜ ናይ ቀዳምነትና ቀዳምነት ኮይኑ ኣብ ዝቐረበሉ ግዜ ኢና ዘለና።
ጉጅለ ህግዲፍ ክሳብ ክንደይ ዕርቃኑ ወጺኡ ከምዘሎ’ኳ ብሩህ እንተኾነ፡ ኣግሂዱ ኣላሽ ኣብ ክንዲ ምባል የድሕነኒ’ዩ ዝብሎ ኣእማን ካብ ምፍንቃልን ውዲት ካብ ምእላምን ዓዲ ኣይክውዕልን እዩ። እዚ ጉጅለ ኣብቶም ኣብ ዓባይ ብሪጣንያ፡ ሱዳንን እስራኤልን ዘጋጠሙ’ሞ ብሓባር ዝኾነናዮም ጸይቅታት ኢድ ኣለዎ። እንተኾነ ነዚ ኮነ ኢሉ ናይ ለውጢ ሓይልታት ከርዕድ ዝመሃዞ ፋይዳ ኣይረኸበሉን። እቲ ዝኣረገ ናይ ሓሶት መዛግብቲ እንዳገንጸለ፡ መርበባት ጸጥታ ኣሜሪካን እስራኤልን ካብ ስልጣን ክዓልዋኒ መደብ ነይርወን፡ ኳታር ተቓወምተይ ትድግፍ ኣላ …… ወዘተ ክብሎ ዝቐነየ ከኣ፡ ኣቓልቦ ህዝቢ ኤርትራ ንምጥምዛዝ ዝመሃዞ እዩ። እዚ እውን ኣብ ቅድሚ ህዝቢ ኤርትራ ዋጋ ዝተወሃቦ ኣይኮነን። እንተኾነ ናይ ምንባርን ዘይምንባር ስለ ዝኾነ፡ ህግዲፍ ክሳብ ሕልፈቱ ካብዚ መንገድዚ ኣይክወጽእን እዩ።
ሓቢርካ ኣንጻር ወጽዓ ህግዲፍ ምስራሕ ኣብ ሰልፍታት፡ ውድባትን ማሕበራትን ጥራይ ተደሪቱ ዝተርፍ ዕማም ኣይኮነ። ነዚ ኣምር እዚ ኩሉቲ ሎሚ ብጉጅለ ህግዲፍ ዝግፋዕ ዘሎን ናይዚ ጉጅለ ሕልፈት ዝብህግን ክኽተሎ ዝግባእ እዩ። ብፋላይ ከኣ ከምቲ ኣብዚ ቀረባ መዓልታ ሓደ ኣባል ሰዲህኤ፥ “ግደ ኤርትራዊ ዲያስፖራ ኣብ ለውጢ” ኣብ ትሕቲ ዝብል ኣርእቲ ኣብ ዘቕረቦ ጽሑፉ ዝበሎ፡ ኣብ ዓድን ኣብ ወጻእን ዝነብር ኤርትራዊ ክናበብን በብጽሒቱ ከልዕልን ይግበኦ። ዝተወደበን ዘይተወደበ እውን ከምኡ። እንተላይ ኣብ ፖለቲካዊ ሰልፍታትን ውድባትን ዘሎን ኣብ ሲቪላዊ ማሕበራት ዘሎን። ከምቲ እቲ ወጽዓ ንኹልና ኤርትራውያን ዘረኻክበልናን ዘቐንዝወናን ዘሎ፡ ድሕሪ ህግዲፍ ዝመጽእ ራህዋ ከኣ ንኹልና እዩ። ንኹልና ክርህወና ግና ኩልና ከከምቲ ኩነታትናን ከባቢና ዘፍቅደልና እንዳተናበብናን እንዳ ተመላላእናን ከነብርክት ናይ ግድን እዩ። ኢደ-እግርኻ ኣጣሚርካን ነብስኻ ካብቲ መስርሕ ኣርሒቕካን ብኣበርክቶ ካልኦት ለውጢ ምጽባይ ግና ውጽኢት ዘይብሉ ኣብ ርእሲ ምዃኑ፡ ህግዲፍ ዕድመ መግዛእቱ ንከናውሕ ክንኮነሉ ከም ዝብህጎ ምዃን እዩ።
ስለዚ እቲ ተውዲቡ ዝቃለስ ዘሎ ኣካላት በበይንኻ ምውፋር ገዲፉ፡ ብሓባር ምስራሕ ክቕጽል ናይ ግድን እዩ። ብሓባር ምስራሕ ጸጸግዕኻ ሒዝካ ብዝወጽእ መግለጽታትን ኣዋጃትን ዝረጋገጽ ኣይኮነን። ብሓባር ምስራሕ ካብ ሕዱር ቂም ወጺእካ፡ ምትእምማን ኣጥሪኻን ኣብ ክንዲ ብናይ ርሑቕ ሕሳብ ምርሕሓቕ ኣብ ህልዊ ዝድህሰስ ዘሰማምዓካ ዛዕባ ኣትኪልካ ብምስራሕ እዩ ዝረጋገጽ። ሓቂ እዩ ብሓባር ምስራሕ ማዕረቲ ኣገዳስነቱ ጻዕርን ኣበርክቶን ዝሓትት እዩ። ምስ ኩሉቲ ዝሓቶ ዋጋ ግና፡ ዝከኣል ስለ ዝኾነ ክንክእሎ ክንበቅዕ ይግበኣና። በበይንኻ ምውፋር ከምዘየዕውት ተመኩሮና ኣርእዩና እዩ። በቲ ዘየዕወተካ መንገዲ ምቕጻል ከኣ ናይ ሕመቕ መግለጺ እዩ። ከምቲ ብርሃን እንተብሂግካ ብጸልማት ምሕላፍ ግድን ዝኸውን፡ ናብቲ ናይ ዓወትና ምስጥር ዝኾነ ሓቢርካ ምስራሕ ንምብጻሕ ከኣ ብድሆታት ክንሰግር ቅሩባት ክንከውን ግድን’ዩ።
ርእሰ-ዓንቀጽ ሰዲህኤ
ቅድሚ ሒደት ዓመታት ኣብ መንጎ ዲክታቶር ኢሳይያስ ኣፈወርቅን ቀዳማይ ሚንሲተር ኢትዮጵያ ዶ/ር ኣብይ ኣሕመድ ዓልን ሃንደበታዊ ዕርክነት ምስ ተጋህደ፡ ብዙሓት ወገናት ብዛዕባቲ ተረኽቦ፡ ነናቶም ሕቶታት ከልዕሉ ተኸታቲልና። ንሕናውን ኣካል ናይቶም ሕቶታት ክሓቱ ዝጸንሑን ዘለዉን ኢና።
እቶም ሕቶታት ብዙሓት ኮይኖም፡ “እዚ በዚ መጸ ከይተባህለ ዝነጉድ ዘሎ ዝምድና፡ ኣብ መንጎ መንን መንን እዩ?” ዝብል ካብቶም ብብዙሓት ዝለዓሉ እዩ። ዝተፈላለዩ ወገናት ነዚ ሕቶዚ ነናቶም መልሲ ክህብሉ ከም ዝጸንሑ ክንዕዘቦ ዝጸናሕና ኢና። እቲ ኣብ ባይታ ዘሎ ኩነታት ዝምስክሮን ዓብላልን መልሲ ከኣ “እቲ ዝምድና ብውሕዱ ኣብ መንጎ ክልቲኡ ህዝብታት ሓቀኛን ትካላውን ርክብ ዝፈጥር ኣይኮነን” ዝብል እዩ። እቲ ናይ ክልቲኡ ህዝብታት መሰረታዊ ረብሓን ባህግን ዘውሕስ ርክብ ኣምሲልካ ንምቕራቡ ዝግበር ፈተነ ከኣ ፈጺሙ ዘድህሰስ ትሕዝቶ ዘየብሉ እዩ። ብፍላይ ብወገን ህዝቢ ኤርትራ እዚ “ርክብ ህዝቢ ምስ ህዝቢ” ዝብል ጉልባብ ለቢሱ ዝካየድ ዘሎ ገልታዕታዕ፡ ኣይኮነንዶ ብህዝቢ ኤርትራ በቶም ናብቲ ጨቋኒ ጉጅለ ዝቐረቡ ኣካላት እውን ኣመጻጽኣኡን ካይድኡን ዘይፍለጥ፡ ህዝብና ብዘይተጸበዮ ኣቕጣጫ ብሃንደበት ዝነጠበ እዩ።
እቲ ዝምድና ብኣፍልጦ፡ ምርጫን ሓቀኛ ተሳትፎን ህዝብና እንተዝመጽእ፡ በየናይ መጀመረ፡ ነየናይ ዛዕባኸ ቅድሚት መሰረዐ፡ ኩላትና እንግምቶ እዩ። ህዝብና ኣይኮነንዶ ምስ ብብዙሕ ጉዳያት ዝመሳሰሎ ጐረቤቱ ህዝቢ ኢትዮጵያ፡ ምስ ዝኾነ ወገን ሰላም ከምዘይጸልእ ርዱእ እዩ። ምእንቲ ሰላም ዝኸፈሎ ዋጋን መስዋእትን ከኣ ክሳብ ክንደይ ሰላማዊ ምዃኑ ዝምስክር እዩ። ህዝቢ ኤርትራ ምስቲ ኣብዚ እዋንዚ ኣብ መንጎ ክልቴን ሃገራት ዘሎ ኩነታት መስርሕ ሰላም ብኸመይ ክተሓዘሉ ከም ዝደሊ ምግማቱ ዘጸግም ኣይኮነን። ኣብ ረብሓኡ ዝተሰረተ ሰናይ ጉርብትናን ጥዑይ ርክብ ህዝቢ ምስ ህዝብን ክሰርዕ ዕድል እንተዝወሃቦ፡ “ቅድም እቲ ናብዚ ዝጸንሕናዮን ዘለናዮን ምስሕሓብ ዘብጸሓና ጉዳይ ዶብ ይጠረርን፡ ኣብ መሬትና ዘሎ ሰራዊት ኢትዮጵያ ይውጻእን፡ ድሕሪኡ ናብ ንቡር ዝምድና ንእተው” ከም ዝብል ፍሉጥ እዩ። ካብዚ ሓሊፉ ምስ ኢትዮጵያ ድልዱል ዝምድና ንምፍጣር ከምቲ “ካብ እመት ስድሪ ኣላታ” ዝበሃል፡ ኣብ ክንዲ ንህዝቢ ዓፋርን ትግራይን ጓሲኻ ናብ ኦሮሞን ኣምሓራን ነጢርካ ወዛሕዛሕ ምባል፡ “ምስ መላምንቲ ሓውናን መቓብርትናን” ንጀምር ከም ዝብል’ውን ርዱእ እዩ። ግና መን እሞ መጻኢ ዝምድናኡ ናይ ምውሳን ዕድል ምስ ሃቦ።
ኣብዚ ናይ ዝሓለፈ ዳርጋ ክልተ ዓመታት ከቢድ ውዲት ዝሓቖፈ ዝመስል፡ ናይ ሰላም መስርሕ፡ ብዙሓት ንኤርትራዊ ልኡላውነት ሃዲዶም ኣብ ክንዲ ሰላም ዘምጽኡ ህውከት ዝዕድሙ ተርእዮታት ክንዕዘብ ጸኒሕና። ቀዳማይ ሚኒስተር ኢትዮጵያ ኣብ ፈቐዶ መድረኻት ተጠሊዖም፡ “ናይ ኤርትራ ናይ ወጻኢ ጉዳይ ሚኒስተር ኮይነ ተመዚዘ እየ’ሞ ሃንደበት ከይኮነኩም፡ ኣነን ኢሱን ክንድመር እንከለና ዓሰብ ንኸውን፡ ምህናጽ ንኤርትራን ኢትዮጵያን ዘራኽብ መስመር ባቡር ዝምልከት ስምምዕ ከቲመ፡ ኢሳይያስ ኣብ ክንድኡ ንኤርትራ ወኪለ ክምድር ፈቓድ ሂቡኒ እዩ …… ወዘተ” ዝብሉ መደረታት ከስምዑ ክንከታተሎም ጸኒሕና። እነሆ ሎሚ እውን ኮንደኾን የኽፈኣለይ ኣሎ ኢሎምን ብለባማት ተማዒዶምን፡ ናብ ልቡም ተመሊሶም ካብ ርእሲ ልኡላውነት ሀገርና ወሪዶም ይኾኑ ኢልና ኣብ ዝገመትናሉ፡ ናይ ሰላም ኖበል ምሽላሞም ከጸንብሉ እንከለውን ካብ ኦስሎ ጀሚሮም ክሳብ ኣዲስ ኣበባ፡ ዳርጋ መራሒ ኤርትራን ኢትዮጵያን ዘምስሎም መደረታት ከስምዑ ተኸታቲልና። ንህዝቢ ኤርትራ እውን ካብ ህዝቢ ሱዳን፡ ሶማል፡ ጅቡቲ ኬንያን ደቡብ ሱዳንን ብዝተፈልየ፡ ከኮማስዕዎ ሰሚዕና። ብዙሓት ኤርትራውያን ከኣ “እንታ እዚ ሰብኣይ ካብ ርእሰና ዘይወርደልና” ይብልዎም ኣለዉ። እዚ እዩ ከኣ “ሕጂ’ውን ወያ ብርኩታ እምኒ ኣላታ” ዘበለና።
ቀዳማይ ሚኒስተር ኢትዮጵያ ኣብ ዙርያ ኤርትራዊ ልኡላውነት ዝዝንብዩ መደንዘዝቲ መደረታት ከስምዑ እንከለዉ፡ ዲክታቶር ኢሳይያስ ንሓንሳብ ከምቲ “ካብ በሃሊኡስ ደጋሚኡ” ዝበሃል፡ መሊሱ ነቲ ናይቶም ቀዳማይ ሚኒስተር ኣበሃህላ ከድምቖ፡ ንሓንሳብ ድማ ሰሚዑ ከምዘይሰምዐ ምጽቃጥ ክመርጽ እንከሎ ከኣ፡ እቲ ኩነታት ካብ ምስካፍ ሓሊፉ የስግእ።
እዚ ኩነታት ደሚርካ ብኹሉ ኣቕጣጫ ክምዘን እንከሎ፡ ህልዊ ኩነታት ሃገርናን ናይ ህዝብና ናይ ሰላም ባህግን መሰረት ገይሩ ዝነቐለ መስርሕ ዘይምዃኑ ምርዳእ ዘጸግም ኣይኮነን። ካብዚ ብምንቃል እዩ እምበኣር “እሞ ናይዚ ኣይምዉት ኣይስሩር ተበግሶ ሰላም ዋናን ሃንዳስን ደኣ መን እዩ?” ዝብል ሕቶ ክነልዕል ዝድርኸና። ነቲ ካብ ቀደሙ ለማጽ ዝነበረ እገዳ ኣልዒልካ፡ መዳልያ ሰላሊምካን ጅቡኡ ገንዘብ መሊእካን ንኢሳይያስ ናይ ምምልኻዕ ሃቐነታት ኣዛሚድካ ክረኣይ እንከሎ፡ ናይዚ ልዕሊ’ቲ ዝግበኦ ዝዝመረሉ ዘሎ መስርሕ ሰላም ኤርትራን ኢትዮጵያን ዋናታት ካለኦት፡ ዝብገሰሉ ባይታ ከኣ ብውሕዱ ዘይኤርትራዊ ትጽቢት ምዃኑ ምግማት ዘጸግም ኣይኮነን። ከምዚ ካብ ኮነ ናይ ህዝብና ጽምኣት ሰላምን ቅሳነትን፡ ክንድቲ ንሕና ንቕንዘዎ ዘየሻቕሎም፡ ኣብ ዞባዊ ረብሓኦም ጥራይ ዝቋመቱ ሰብ ርቡሕ ጁባ ወገናት ዝሕብሕብዎ መስርሕ’ዩ ምባሉ ብልክዕ ምግላጹ እዩ። ግደ ኢሳይያስ ኣብዚ መስርሕ ከኣ ተለኣኣኽነት እዩ። ነቲ ተለኣኣኽነትከ ክኢልዎዶ ኣይከኣሎን ከኣ ኣብ መስርሕ ለኣኽቱ ዝመዝንዎ እዩ። እንተ’ቲ ሓቀኛ ትርግታ ልቢ ህዝብና ጽን ኢሉ ዝሰምዕ መስርሕ ሰላም ኤርትራን ኢትዮጵያን ኣብቲ ክረግጾ ዝግበኦ ርኻብ ጌና ኣይረገጸን።
ስለዚ ህዝቢ ኤርትራ ናይዚ ብናይ ካለኦት ዓቐን ዝተስፍየ ሰላም ተጠቃሚ ኣይኮነን። እቲ ርክብ ህዝቢ ምስ ህዝቢ ብመትከል ቅኑዕን ኩልና ክንሰርሓሉ ዝግበኣናን ክነሱ፡ ከምዚ ንርእዮ ዘለና በቲ ክተሓዞ ዝግበኦ ኣብ ዘይተታሕዘሉ ግና፡ መዳህለሊ፡ መደንዘዝን ሓቀኛ መንገድኻ ዘስሕትን ካብ ምዃን ሓሊፉ ካልእ ፋይዳ የብሉን። ኢትዮጵያውያን ክኢላታት ስነ_ጥበብ ናብ ኤርትራ ምጋሾምን ከረን ይኹን ምጽዋዕ ምብጸሖምን ሕማቕ ኣይመኾነን። እንተኾነ ህዝቢ ኤርትራ በዚታት ተዳህሊሉ ካብቲ ሓቀኛን ውሑስን ሰላም፡ ዲሞክራሲ፡ ልምዓትን ሕገመንግስታዊ ምምሕዳርን ናይ ምርግጋጽ ቃልሱ ከየላግስዎ ክጥንቀቕ ነዘኻኽሮን ንጽወዖን።
ርእሰ-ዓንቀጽ ሰዲህኤ
“ሰዲህኤ፡ ንብዙሕነት ከም ቅሙጥ ሃገራዊ ጸጋን ሓይልን ስለ ዝቕበሎ ነቲ ኣብ ሞንጎ ብሄራትን ሕብረተሰብኣዊ ጉጅለታትን ሰላምን ቅሳነትን ዝዓሰሎ ተሳኒኻ ናይ ምንባር ባህሊ ንምስፋንን ኤርትራዊ ሃገራዊ ሓድነትን ብዙሕነትን ንምዕቃብን ክጽዕር እዩ።” (ካብ ፖለቲካዊ መደብ ዕዮ ሰዲህኤ ዝተወስደ)
“ሓድነትና ምስጢር ዓወትና እዩ”፡ ክንብል እንከለና፡ ብኣንጻሩ “ምፍልላይና ጠንቂ ስዕረትናን ውድቀትናን እዩ” ማለትና ምዃኑ ርዱእ እዩ። ኤርትራዊ ነጻነትና ብመሪርን ነዊሕን ቃልስን ሓያልን ዘይቋረጽን ህዝባዊ ተሳትፎን ከነረጋግጽ እንከለና፡ ከመይ ጌርና ብብዝሕን ዓይነትን ሓይሊ ሰብ፡ ዘመናውነት ኣጽዋርን ዓለም ለኻዊ ደገፍን ኣዝዩ ንዝበልጸና ሓይሊ መግዛእቲ ምስዓርና ምስጢሩ እንታይ ከም ዝነበረ ንብዙሓት ዘገረመ ነይሩ። እቲ ክሳብ ሕጂ ተበጺሑ ዘሎ ምኽንያት ከኣ፡ ናይ ቃልስና ፍትሓውነት ርዱእ ኮይኑ፡ እቲ ቀንዲ ኣብ ዓወት ዘብጸሓና ቃልስና ብኤርትራዊ ብሓድነት ዝተደረዐ ስለ ዝነበረ እዩ።
ሓድነት ዝረጋገጽን ምስጢር ዓወት ዝኸውንን፡ ኣብቶም ንሓድነት ከም ምስጢር ዓወቶም ገይሮም ዝወስዱን ዝዕቅብዋን ዝኾነ ፍልልይ ኣብ ዘይህልወሉ ኣይኮነን። ሓድነት ዝረጋገጽ ፍልልያት ሃልዩ፡ ኣበይን ስለምንታይን ትፈላለ፡ ኣበይን ብኸመይንከ ኣብ ሓድነት ተትክል ኣንጺርካ ብምሓዝ እዩ። ኣብቲ ሓድነትና ምስጢር ዓወትና ምንባሩ ኣመስኪሩ ንብሎ ዘለና መድረኽ ቃልሲ እውን፡ እዚ ሕጂ ኣብ ሃገርና ዘሎን ጠንቂ ምፍልላይ ዝኸውን ዘሎን፡ ብዙሕነት ሃይማኖት፡ ኣውራጃ፡ ብሄር፡ ቋንቋን ካልእን ኣይነበረን ማለት ኣይኮነን። እንተኾነ ሳላ ብሓልዮት ህዝብን ሃገርን፥ ብምጽውዋርን ምክእኣልን ዝተመሓደረ ኣድማዒ ውጽኢቱ ተራእዩ። ብኣንጻሩ ሎሚ ብዞም ዝጠቓቐስናዮም ናይ ብዙሕነትና መርኣያ፡ ተፈላሊና ክንናቖትን ክንረሓሓቕን እንከለና እቲ ቀደም ዝነበረና ልቦናን ሃገራዊ ሓላፍነትን ይጐድል ከም ዘሎ ዘርኢ እዩ። ሓድነት ከምቲ ወሳንነቱ ምዕቋቡ እውን ዋጋ የኽፍል እዩ። ከምቲ ኣብ ሓድነት ተረባሕቲ ዝነበርናን ዘለናን ነዚ ዘይብህግዎን ዘይደልይዎን’ውን ነይሮምን ኣለዉን። እቲ ፍልልይ እቶም ናይ ቀደም ጸረ ሓድነት ሓይልታት ከም ናይ ሎሚ ህግዲፍ ዝተርንዑን መንግስታዊ መልክዕ ዝሓዙን ዘይምንባሮም እዩ።
እቲ ኣብ ቅድሜና ዘሎ መዋጽኦ ነቲ በዂሩ ዘሎ ምጽውዋርን ምክእኣልን ናብ ንቡር ምምላሱ መተካእታ የብሉን። እዚ ሓሓሊፉ ዝረአ ዘሎ ቅድሚ ሕጂ ምስጢር ዓወትና ዝነበረ ብዙሕነትና፡ ሎሚ ግና መናቖቲናን ምረሓሓቒናን ምዃን መንእሰያት ዝሳተፍዎ ዘለዉ ምዃኑ ከኣ ኣተሓሳሳብነቱ መሊሱ ይረዝን። መንእሰይና ተዋሳኢ ናይዚ ዳሕረዋይ ስልጡን ዘበን ብምዃኑ፡ ብፍላይ ዘፈላልዩ ጉዳያት ኣብ ምውጋን ዓብይ ትጽቢት እንዳንበርናሉ፡ ኣብ ምጽሕታር ጸቢብ ስምዒታት ክሳተፍ እንከሎ፡ ቃልስና ክሳብ ክንደይ ከቢድን ንድሕሪት ከይምለስ ዘስግእን ምዃኑ ዘጠንቅቕ እዩ። መንእሰይ እንተኾነ ናብ ዝሓሸ ኩለመዳያዊ ስኒት የስግረና፡ ካብኡ ሓሊፉ ነቲ ዝነበረን ክንዲ ናጽነት ዝኣክል ዓብይ ጉዳይ ዘውሓሰን ሓድነት ክዕቅብ ናይ ግድን እዩ።
ብዛዕባ ሓድነት ደጋጊምና ክንጉስጉስ እንከለና፡ ፍልልያት ፈጺሙ ኣይሃልወና ማለትና ኣይኮነን። ዝመረጽካዮ ሃይማኖት ምስዓብ፡ ናይ ዝኾነ ኣውራጃ ተወላዲ ምዃን፡ ናትካ ቋንቋ፡ ባህልን ብሄርን ምውናን ዘይግደብ መሰል ነፍሲ ወከፍ እዩ። እዚ ፍልልያት ረብሓ ሃገር ዘይጐድእ ክኸወን ግና ንኤርትራዊ ሓድነት ብዘይሃሲ መንገዲ ክቃነ ይግበኦ። ብኻልእ ኣገላልጻ ንሓደ ካብዚ ብግቡእ ክተሓዝ እንከሎ ጸጋ እዩ እንብሎ ዘለና ዝንባለታት ልዕሊ ኤርትራዊ ኣጀንዳ ምስርዑ ግና ይፈቶ ይጸላእ ነቲ ምስጢር ዓወትና ዝኾነ ሓድነትና ዝፍሑቕ ጥራይ ዘይኮነ ዝጻረር ስለ ዝኾነ፡ ብጥንቃቐ ክተሓዝ ዝግበኦ እዩ። እንመርጾ ሃይማኖት ኮነ ኣውራጃ ሓድነታ ኣብ ዘይተሓለወት ኤርትራ ትርጉም ከምዘይህልዎ ምስትብሃል ከኣ ሓጋዚ እዩ።
ንሕና እቶም ኣብ ዝሓለፈ ናይ ቃልስን ዓወትን ተመኩሮና ግደ ሓድነት ወሳኒ ምንባሩ እንኣምን፡ ግደ ሓድነት ኣብዚ ሎሚ ነካይዶ ዘለና ቃልሲ እውን ወሳንነቱ ህያው እዩ ኢልና ኢና እንኣምን። ስለዚ ኢና ከኣ ምርግጋጽ ሓድነት ሓይልታት ለውጢ ካብ ዓወት ኣንጻር ህግዲፍ ፈሊኻ ኣይርአን’ዩ እንብል። ብኣንጻሩ እቲ ሳላ ሓድነታዊ ኣበርክቶ ህዝቢ ኤርትራ ኣብ ስልጣን ዘሎ ጉጅለ ግና፡ ደጊም ሓድነት ህዝብና ንረብሓኡ ከምዘይኮነ ስለ ዝተረድአ፡ በቲ ሓድነት ኣይግደስ ጥራይ ዘይኮነ፡ ንምፍራሱ ሓይሊ ሰብን ጥሪትን ካብ ምውፋር ድሕር ከምዘይብል ብብዙሕ ኣብነታት ኣሰኒኻ ምግላጽ ይከኣል። ህግድፍ ኣብ ከምዚ በታኒ ዕማም ምውፋሩ እምብዛ ዘገርም ኣይከውንን’ዩ ምኽንያቱ ካብኡ ጥራይ ስለ ዝዕንገል። እቲ ኣዝዩ ዘገርምን ዘሕዝንን ዝኸውን ብግብሪ ግዳይ ወጽዓኡ ክነስኻ፡ ናይዚ ኣብ ምክፍፋልና ዝሃጥር ጉጅለ መሳርሒ ዝኸውን ኤርትራዊ ክህሉ እንከሎ እዩ።
ኣብዚ ሓቢርካ ኣንጻር ወጽዓ ህግዲፍ ምቅላስ ወሳኒ ዝኾነሉ ግዜ፡ ጸቢብ ትሕቲ ኤርትራዊ ሓድነት ፍልልያት ኣሳዊርካ ምርሕሓቕ ወይ ክሳብ ምብኣስ ምብጻሕ፡ ህግዲፍ ይወድቦ ኣይወድቦ ንረብሓ ህግዲፍ ዝውዕል ምዃኑ ፈጺሙ ክሰሓት ኣይግበኦን። ንረብሓ ህግዲፍ ካብ ወዓለ ኣንጻር ባህግን ትጽቢትን ህዝብና ምዃኑ ከኣ ኣብኡ እንከሎ ፍሉጥ እዩ። ህግዲፍ ናይ ህውከትን ምፍልላይን እምበር፡ ናይ ሰላምን ሓድነትን ሓይሊ ስለ ዘይኮነ ኣይኮነንዶ ባዕልና ክንበኣሰሉ እንከለና፡ ባዕሉ ኣንቂዱ ዝውለዖ ሓዊ ምዃኑ ክንርዳእ ይግበኣና። ኣብ ሃገርና ብዛዕባ ዘሎ ፖለቲካዊ ኩነታት ናይ ኣተሓሳስባ ፍልልያት ክህልው ባህርያዊ እዩ። ኣብዚ ፍልልይዚ ሰዓሪ ንምዃን ከኣ ካራሩ ስሒልካ ኣብ ዓውዲ ውግእ ዘይኮነ፡ ምኽንያትካ ኣዋህሊልካ ኣብ ዓውዲ ዘተን ልዝብን እዩ እቲ ግጥም ክኸውን ዝግበኦ።
ብሓይልን ዓመጽን ክዕብልል ዝደሊ ኣብ መድረኽ ዘተ ዝቐርብ ጭብጢ ዘየብሉ እዩ። ብዓመጽን ዘይምኽንያታዊ ዕብለላን ዝኣምን ከኣ ናይ ግዜ ጉዳይ እንተዘይኮይኑ ተሰዓራይ እዩ። እቲ ኣብ ዓመጽን ሸፈጥን ዝኣምን ዘይሩዘይሩ ኣንጻር ህዝቢ ስለ ዝኾነ ወዳቓይ እዩ። ዕድል ህግዲፍ በዚ ዝምዘን ኮይኑ፡ ካብቲ ዕድሜኡ ከነሕጽረሉ እንኽእል ቀንዲ መንገድታት ከኣ ሓድነትና ምድልዳል እቲ ቀንዲ እዩ።
ርእሰ-ዓንቀጽ ሰዲህኤ
ኢሳያስ ኣፈወርቂ ቀንድን መሰረታውን ዕላምኡ ዝገበርካ ገይርካ፡ ኣብ ስልጣን ምንባር ምዃኑ ዘየማትእ ካብ ዝኸውን ነዊሕ ግዜ ኮይኑ እዩ። ነዚ ከውሕስ ክብል ኩሉ ካብ ምግባር ንድሕሪት ከም ዘይብል ከኣ ተመኩሮኡ ይምስክር። ኣብቲ መስርሕ ቀንዲ ግዳይ ዝገብሮ ከኣ ንህዝቢ ኤርትራ እዩ። ህዝቢ ኤርትራ ክንብል እንከለና፡ ምስ ኩሉ መሰላቱ፡ ባህሉ፡ ቋንቋኡን ክብሩን፡ ዋጋ መስዋእቱ፡ ጸጋታቱ ማለትና ኢና።
እዚ ዲክታተር ነዚ ኣቐዲሙ ዝተጠቕሰ እኩይ ተግባሩ ንከዐውት ዝጥቀሞ ሜላታት ብዙሕ ኮይኑ፡ እቲ ቀንዲ ህዝቢ ኤርትራዊ ጉዳዩ ዓቲቡ ምእንቲ ከይርእን መፍትሒ ሃሰው ኣብ ምባል ከየድህብን ሻቢብካ ምሓዙ እዩ። ነዚ ንምዕዋት ኣብ ክንዲ ምስ ዝሓሸን ብሩህ መጻእን ምውድዳድ ምስቲ ዝሓለፈ ህዝብና ተቓሊሱ ዝሰዓሮ ናይ ግዜ መግዛእቲ ህይወት እንዳወዳደረ “ሎሚ ኣብ ትሕቲ መግዛእተይ ይሕሸካ” ዘስምዕ መዝሙር ይዝምር። ካብዚ ሓሊፉ ብፍላይ ኣብቲ ናይ መጀመርያ ዓመታት መግዛእቱ ድሕሪ ናጽነት፡ ንኹሉ ሓጥያት ነቶም ገዛእቲ እንዳላገበ ናይ “ግዜ ይወሃበኒ ከዕሪ’የ” ምሕጽንታ ምቕራብ ልሙድ መመኽነይታኡ ነይሩ።
እቲ ቀንድን ክሳብ ሕጂ ዝጥቀመሉ ዘሎ ሜላኡ ግና ህዝቢ ኤርትራ ኣብ ክንዲ ውሽጣዊ ጉዳዩ ዝርኢ ተሰናቢዱ ደገ-ደገ ንከመዓዱ ዘገደድዎ መሰናበዲ ኩነታት ምምሃዝ እዩ። ነዚ ብኣብነት ንምድጋፍ ንድሕሪት ተመሊስና ብዛዕባ ኮነ ኢሉ ህዝቢ ንምሽቓልን ኣድህቦኡ ንምጥምዛዝን፡ ካብ ኣንጻር የመን ጀሚርካ ክሳብ ኣንጻር ኢትዮጵያ ዝኸፈቶን ከምዚ ኢልካ ክትጽብጽቦ ዘጸገም ማህሰይቲ ዘስዓበን ውግኣት ምዝርዛር ከይተገደድና ናይ ቀረባ መመሳመሲ ተረኽቦታት ምቕራብ ይከኣል። ናይ ኣሜሪካን እስራኤልን ናይ ጸጥታ ትካላት ብ2011 ኣብ ልዕሊ ግዝኣተይ ዕልዋ ተሊሞም ነይሮም ክብል ሰሚዕናዮ። ጽንሕ ኢሉ ከኣ እታ ጁብኡ ትመልኣሉ ዝነበረት መንግስቲ ቐጠር፡ ኣብ ልዕለይ ትምህዞ ዘላ ኢሉ ዓሰርተ ነጥብታት ዝሓዘ ክሲ ዘርጊሑ። ኣብዚ ክሱ ዋላኳ ብዙሕ ዘይናቱ ሕብርታት እንተቐባብኦ ህላወ ተቓውሞ ኣብ ኤርትራ’ኳ ተኣሚኑ። እዚ ጥራይ ኣይኮነን፡ ናይቲ ኣብ ኣተሓሕዛ ቅልውላው ሰዳን፡ ሕብረት ኣፍሪቃን ኢትዮጵያን ብዘቕረብዎ እማመ ዝተሳዕሮ ሕነ ንምፍዳይ ብዝመስል መልክዑ ኣብ ጉዳይ ሱዳን ውጥም ቅልቅል ክብል ምጅማሩ እውን ህዝብና ብውሽጣዊ ጉዳይ ሃገሩ ንኸይሓስብ ንምድህላሉ ዝመሃዞ እምበር፡ ካልእ ኣይኮነን። ኣብዚ ክንጸር ዝግበኦ ሓደ ጉዳይ ከምቲ “ደርሆ ነቅዩ ዘበራብር፡ ንርእሱ ምስተበራበረ እዩ” ዝበሃል እዚ ንገዛእ ርእሱ ምስ ህዝቢ ዘይተዓርቐ ሰብኣይን ጉጅለኡን፡ ንኽዘርጉ እምበር ንክዓርቁ ዘይገሹ ምዃኖም እዩ።
እቲ ኣዝዩ ዘገርም ከኣ እዚ ዕቡድ ሰብኣይ፡ ኣብዚ ዘራጊ ስረሓት ኮለል ክብል ዝውዕል፡ ካብ ስሩዕ ኣኼባታት ሕብረት ኣፍሪቃን ከባብያዊ ምትሕብባር ኢጋድን እንዳበኾረ ምዃኑ እዩ። መብኮሪኡ ምኽንያት ንጹር እዩ። ኣብዚ እዋንዚ ኣብ መገባእያታት ዘቕርብ ስብእና ዘየብሉ ንርእሱ ተናዒቑ ንሃገር ዘንዕቕ ፍንፉን ምዃኑ ነብሱ ይነግሮ ስለ ዘሎ እዩ። ከምቲ “ኣብ ጥቓ ዓጋም ዝተጸገዐት ቆልቋል ክትነብዕ ትነብር” ዝበሃል፡ ብሰንክቲ ኣብ ኤርትራ መሊኡ ናብኣቶም ዝፈስስ ጸይቂ ተግባራቱ፡ ናይዚ ከባቢ መራሕቲ እውን ሎሚስ ጉዳይዚ ንህዝብና ደም ዘንብዕ ዘሎ ዲክታተር ፍጊዕ ከም ዝበሎም ምልክታት ንርኢ ኣለና። እቲ ፍጊዕ ምባል በቲ ክሳብ ሕጂ ናይ ቅብጥሮት ሳጓታት እናሃበ፡ ዘመላኽዖ ዝነበረ መራሒ ኢትዮጵያ ምጅማሩ ከኣ የገርም።
እምበኣር እቲ ቀንዲ ጉዳይና ክፋእ እዚ ዲክታቶር ምዝርዛር ኣይኮነን። ምኽንያቱ ደጊም ኣብ ቀረባ ይሃሉ ኣብ ርሑቕ፡ ኤርትራዊ ይኹን ዘይኤርትራዊ ጸይቂ ተግባራቱ ዘይተረደአ ኣካል ስለ ዘየለ። ንሱ እውን ድሕሪ ሕጂ ነብሱ ሓኹኹ ወይ ምኽሪ ለባማት ሰሚዑ ካብዚ ሒዝዎ ዘሎ መንገዲ ጥፍኣትን ክሕደትን ክምለስ ኣይኮነን። ስለዚ ንሱ ህዝብና ንምድህላል ሕብሩ እንዳቐያየረ ክምህዝ እንከሎ ስርሑ እዩ ዝሰርሕ ዘሎ። ስለዚ እቲ ቀንዲ ቁምነገር “ንሱስ ሕራይ ከም ቀደሙ እዩ፡ ንሕና ሰብ ፍሉይ ዋኒን ከ እንታይ ንግበር?” ዝብል ሕቶ ምምላስዩ ዝኸውን።
ኢሳይያስ መንዩ፡ ንምንታይከ ክሳብ ክንድዚ ከቢድ ኣርዑት መግዛእቲ ኣብ ልዕሊ ህዝብና ይጽዕንን ኣብ ኣራዊታዊ ተግባራት ይዋፈርን፡ መፍትሒኡ ምውጋዱ ጥራይ ምዃኑ፡ ኣብ ህዝብና ግቡእ ግንዛበ ረኺቡ እዩ። ግናዛበ ጥራይ ዘይኮነ ክንድቲ ክኾኖ ዝግበኦ ዘየድመዐ ግብራዊ ምንቅስቓሳት ይካየድ ከም ዘሎ እውን ኣይኮነንዶ ንዓና ዋናታቱ ንህግዲፍ እውን ዝረኣዮ ዘሎ እዩ። ምስዚ ኩሉ ግና ነዚ ዲክታቶር ምስ ኩሉ ግናይ ምናዩ ሓጢጥካ ጉሒፍካ፡ ኣብ ክንድኡ ኣብ ኤርትራ ራህዋ ነጊሱ ህዝባ ንክርህዎ ዘኽእል ኩነታት ንክፍጠር ካብቲ ክሳብ ሕጂ ኬድናዮ ዘለና ዘይንእስ ዕማም ይጽበየና ከም ዘሎ ከነስተውዕል ይግበኣና። ምስትውዓል ጥራይ ዘይኮነ፡ ነቲ ዘስተውዓልናዮ ናይ ምትግባሩ ትብዓትን ተወፋይነትን ክንውንን ይግበኣና።
እቲ ክንሰግሮ ዝግበኣና ዘይሰገርናዮ፡ ምስጋሩ ስለ ዝኸበደ ዘይኮነስ፡ ንሕና ሰለ ዘይበቓዕናዮ ምዃኑ ክንእመን ይግበኣና። ራእይና፡ ትጽቢትናን ሸቶናን ሓደ ክነሱ፡ ኣብዚ ሓደ ዝገብረና ኣትኪልና ብሓባር ምቅላስ ከቢድ ኣይኮነን፡ ግና ኣይተግበርናዮን። ብዙሕነትና ህያብ ብምዃኑ፡ ሓቢርና ኣንጻር ህግዲፍ ኣብ እንገብሮ ቃልሲ ጠንቂ ዘይምትእምማን ከምዘይከውን ጌርካ ምምሕዳሩ ከቢድ ኣይኮነን፡ ግና ከምቲ ዝድለ ኣይራዓምናዮን። መስርሕ ቃልስና ብምዕራፋት ኣዋዲድና ቀዳምነታትና ሰሪዕና ምቕጻል ኣባና ዘይተጀመረ ዝከኣል ኣካይዳ እዩ፡ እንተኾነ ንሕና ኣይሰግርናዮን። ብሓፈሻ ንፍልልያት ኣብ ዝጸውር መስርሕ ሓድነት ክንጽመድ ዘይምኽኣልና ማእከላይ ነጥቢ ናይዘይምብቃዕና ኮይኑ ኣሎ ኢልካ ምጥቕላል ዝከኣል እዩ። ስለዚ ኣብ ቅድሜና ዘሎ ዓብይ ዋኒን ነቲ ዝከኣል ክነሱ ዘይከልናዮ ክንክእሎ ምብቃዕ ይኹን።
ርእሰ-ዓንቀጽ ሰዲህኤ
እዚ እዋንዚ፡ ምናልባት ናይ ሓደ መስርሕ ናይ መወዳእታ ጫፍ “እዚ እዩ” ምባል’ኳ ዘጸግም እንተኾነ፡ ህዝብና ኣብ ትሕቲ ዝለዓለን ዝመረረን ናይ ጭቆና ደረጃ እዩ ዝርከብ። እቲ ጭቆና ኣብ ኩሉ መዳይ ህይወትን ኣብ ልዕሊ ኩሉ ኤርትራውን ዝወርድ ዘሎ እዩ። ብኣንጻሩ እቲ ንኹሉቲ ንመመላኽዒ ዝጥቀመሉ ዝነበረ ስማዊ ትካላቱ ኣዕንዩ፡ ኣብ ደረጃ ውልቀ-ሰባዊ ገባሪ ሓዳግነት በጺሑ ዘሎ ጉጅለ ህግዲፍ ኣብ ዝበለሐ ናይ ጨቋንነት ኮረሻ ተወጢሑ መወዳእትኡ ብውድቀት ክዛዘም ዝጽበየሉ ዘሎ እዋን ኢና ንርከብ ዘለና። እዚ ማለት እቲ ወጻዕን ተወጻዕን ዘራኽብ ገመድ እምብዛ ተሳሒቡን ተወጢሩን ምብታኹ ዘይተርፍ ምዃኑ ብብዙሕ ኣብነታት ምቕራብ ኣብ ዝከኣለሉ ደረጃ ከም ዘለና ዘመልክት እዩ።
ሎሚ ህዝቢ ኤርትራ ኣብ ልዕሊ ህግዲፍ ዝነበሮ ተስፋ ምሉእ ብምሉእ ክበሃል ብዝኽእል ደረጃ ተጸንቂቑ እዩ። ህግዲፍ እውን ዋላኳ ኣፉ መሊኡ ብእዉጅ “ኣላሽ” እንተዘይበለ፡ ደጊም ከምቲ ናይ ቅድሚ ሕጂ ልማዱ ንህዝቢ ኤርትራ ብምፍርራሕ ኮነ ዘይትግበር መብጸዓታት ብምእታው ዘዕሽወሉ መንገድታት ዕጽዊ ምዃኑ ኣብ ዝተረደኣሉ ደረጃ ከም ዝበጸሐ ብዙሓት ኣብነታት ምጥቃስ ይከኣል። በብኹርንዑ ብዝህቢ ዝለዓል ሕቶታት ክምልስ ፍሑኽ ክብል ዘይምኽኣሉ፡ ብኣንጻሩ ካብ ንቡር ኣካይዳ ወጺኡ ኣብ ዓዲ ሃሎ ኣብ ኮንተይነር ምሕብኡ ናይ ተሰዓርነቱ ዓብይ መረዳእታ እዩ። ህዝቢ ብብዙሕ ማሕበራዊ፡ ቁጠባውን ፖለቲካውን ጸገማት እንዳተሳቐየ ኣእዳዉ ኣጣሚሩ፡ ታራ ተዓዛይባይ ምዃኑ’ውን ካልእ ናይ ስዕረቱ ምልክት እዩ።
እዚ ንርከበሉ ዘለና መዋእል ፍልልያት ክፍጠር እንከሎ መፍትሒኡ ብመንገዲ ሰዓራይን ተሰዓራይ ዘይኮነ፡ ኩልኻ ሰዓራይ ብእትኾነሉ ምውጋን ልሙድ ኣሰራርሓ ዝኾነሉ ምዃኑ ፍሉጥ እዩ። ናይዚ መስርሕዚ ተጠቀምቲ ዝኾኑ ከኣ ብዙሓት እዮም። እዚ ንክኸውን ግና ናይቶም መሪሕ ተዋሳእቲ ንኣብነት ኣብ ጉዳይና ህዝቢ ኤርትራን ገዛኢ ጉጅለ ህግዲፍን ካብቲ ዝተሰቐልካሉ ጫፋት ወሪድካ ኣብ ማእከላይ ናይ ሓባር ተረድኦ ናይ ምምጻእ ቅሩብነትን ምቕሉልነትን ክረአ ግድን እዩ። ናይ ሓደ ካብ ክልቲኦም ቅሩብነት ኣብ ዝበኾረሉ ግና “ብሓደ ኢድ ጥራይ ምጥቓዕ” ከምዘይከኣል ሓቢርካ ናይ ምዕዋት ዕድል ኣየጋጥምን። ብመንጽርዚ ክርአ እንከሎ እቲ ህዝቢ ኤርትራ ኣብ ሃገሩ ማዕርነት፡ ሰላም፡ ልምዓት፡ ሕገመንግስታውን ብዙሕነታውን ዲሞክራስን ፍትሕን ፍትሓውነትን ክወሓስ ናብ ህግዲፍ ከቕርቦ ዝጸንሐ ምሕጽንታ፡ ብሰንኪ ናይቲ ጉጅለ፡ ንዕቀት፡ ብደዐ፡ ትምክሕትን ድርቅናን ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ኤርትራ፡ ኮታ ብሰንኪ ድሑር ኣተሓሕዛኡ ኣብ ጉዳያት፡ ክዕወት ኣይተኻእለን። ስለዚ ህዝብና እነሆ ኣብ መስርሕ ሰዓራይን ተሰዓራይ ክኣቱ ተገዲዱ ኣንጻርቲ ወጻዒኡ ይጠማጠም።
ኣብዚ መስርሕ ቃልሲ ህዝብና ኣብ ልዕሊ ህግዲፍ ተዓዊቱ፡ ርእሱ ኣቕኒዑ፡ እግሩ መሊኡ ዝረግጸላ፡ ኣፉ መሊኡ ዝዛረበላ ሃገር ክውንን ዘይተርፍ እዩ። እዚ ሎሚ ኣብ ሕድሕዱ ዝነበረ ምፍርራሕ ተወጊዱ፡ ካብ ሰለይቲ ናይቲ ጉጅለ ዝነበሮ ስግኣት በኒኑ ብድፍረት፡ ኣፉ መሊኡ ኣብ ኣደባባያት ኣስመራ ከይተረፈ፡ ብትሪ ዝነቕፈሉ ዘሎ ህሞት ናይቲ ዘይተርፍ ስዕረት ህግዲፍ ዋዜማ ዘርኢ እዩ። ብኣንጻሩ ህግዲፍ ተሳዒሩ ርእሱ ዘድንነሉ ኩነታት ምምጽኡ ከምዘይተርፍ ብዙሓት ምልክታት ንዕዘብ ኣለና። ህግዲፍ ኤርትራዊ ጉዳይ ምትንካፍ ፈሪሑ ንሓንሳብ ብዛዕባ ቅርኒ ኣፍሪቃ ንሓንሳብ ዞባ ቀይሕ ባሕሪ ከኮማስዕ ዝውዕል ዘሎ ኣብ ቅድሚ ህዝቢ ኤርትራ ከም እተሳዕረ ዘመልክት እዩ። ስለዚ ኣብቲ ቅድሚ ወጋሕታ ዘሎ ትስፉው ድቕድቕ ጸልማት ኢና ዘለና። እቲ ዝስዕብ ንህዝብና ዝበርሃሉ ንህግዲፍ ግና ንሓዋሩ ዝጽልምቶ ከም ዝኸውን ከኣ ክንተኣማመን ይግበኣና።
እንተኾነ ከምቲ “ክሳብ ዝሓልፍ፡ ትንፋስ የሕልፍ” ዝበሃል፡ ህግዲፍ ክሳብቲ ዘይተርፍ ስዕረቱ ዝያዳ ከይልክም፡ ግዜ ውድቀቱ ንምቅልጣፍ ህዝብናን ዝተወደቡ ናይ ለውጢ ሓይልታቱን ክፈጥርዎ ዝግበኦም ድፍኢትን ክኸፍልዎ ዝግበኦም ዋጋ ምኽፋልን ዘይስገር እዩ። ህግዲፍ ሎሚ ከምቲ ሰራውሩ ብፍልሖን ካልእ በላዒቶን ዝነቐጸን ዝቆንቆነን ኦም ዳግማይ ናይ ምጥጣዕ ዕድል ዘየብሉ፡ ፈጺሙ ጽቡቕ ዘይወጾን ናይ ለውጢ ንፋስ ዘይነፍሶን ንቑጽ ኣካል ኮይኑ እዩ። ከምኡ ስለ ዝኾነ እዩ ከኣ ህዝብና እዚ ጉጅለ ተሳዒሩ ክውገድ እምበር፡ ናብ ልቡ ንክምለስ ፈጺሙ ክጽበዮ ዘይግባእ። ንህግዲፍ ናብ ልቡ ክምለስ ዘይምጽባዩ ጥራይ ዘይኮነ፡ ካብቲ ሰራውሩ ተበሊዑ ነቒጽዎ ዘሎ ደፊእካ ዓነው ናይ ምባሉ ሓላፍነት ኣብ ቅድምቶም ናይ ለውጢ ተጠቀምቲ ኤርትራዊ ወገናት ከም ዘሎ ክዝንጋዕ ዘየብሉ እዩ።
ሎሚ ህዝቢ ኤርትራ ብዛዕባ ከምይነትን እንታይነትን ህግዲፍ ናይ ሓባር ሚዛንን ኣተሓሳስባን ወኒኑ እዩ። እቲ ኣብዚ መስርዕ ዘይኣተወ ከምቲ “ካብ ብሱል ጥረ” ዝበሃል ንጣር እዩ። “እሞ ከምዚ ካብ ኮነ ደኣ እንታይ ይገበር?” ዝብል ሕቶ ንምምምላስ እውን፡ ነቲ “ህግዲፍን ናይ ጭቆና ኣካላቱን ይወገዱ” ዝብል ከም ናይ ሓባር ማእከላይ መረዳድኢ ወኒንዎ እዩ። ኣብ ተካኢ ናይ ድሕሪ ህግዲፍ ኣተሓሕዛ ጉዳያት ከኣ ዝተፈላለዩ ሃነጽቲ ሓሳባት የቕርብ ኣሎ። ነዚ ንምትግባር ከኣ መዓርፈኦምን ሸተኦምን ሕባራዊ ወጽዓ ምውጋድን ሃገር ዳግማይ ምህናጽን ኮይኑ፡ ብደረጃ ውድባት፡ ሰልፍታት፡ ማሕበራትን ምንቅስቓሳትን ተወዲቡ ሓይሉ ንምድልዳልን ኣተሓሳስባኡ ንምስጣምን ይቃለስ ኣሎ። እዚ ኤርትራዊ ናይ ለውጢ ሓይሊ ናይ ቃልሲ መዛርዑ ዘርጊሑ ከም ዘሎ ዘርኢ እዩ። ነዚ ናብ ሓደ ሸቶ፡ ብዝተፈላለዩ ኣተሓሳስባታት ዝወፍር መዛርዕ ቃልሲ ኣረዳዲእካን ኣወሃሂድካን ሓያል ቀያሪ ዓቕሚ ከም ዘጥሪ ናይ ምኽኣሉ ከኣ ኣብ ቅድሚ ኤርትራውያን ዘሎ ናይ ሓባር ሓላፍነት እዩ። ብመንጽር እዚ ሎሚ ነቲ “ከይረገምካዮ ርጉም” ጉጅለ ህግዲፍ ክንራገም ግዜ ነባኽነሉ ኣይኮነን። ብኣንጻሩ ክሳብ ክንደይ ከምቲ ክንኮኖ ዝግበኣና ንኸውን ኣለና ንምፍላጥን ንምምዛንን ብሓላፍነታዊ ስምዒት ናብ ውሽጥና ክንቋመተሉ ኣብ ዝግበኣና ግዜ ኢና ዘለና። ናይ ህግዲፍ ቆንቊኑ ረይረይ ምባል፡ ናትና ድፍኢት እንተተወሲኽዎ ህዝብና ርእሱ ናብ ዘቕንዓሉ፡ ህግዲፍ ከኣ ርእሱ ኣድኒኑ ናብ ዘብቅዓሉ ደረጃ ምብጻሕና ዘይተርፍ እዩ።