EPDP Editorial

ርእሰ-ዓንቀጽ ሰዲህኤ

ህዝቢ ኤርትራ ምስ ጐረባብቱ ህዝብታት ጥራይ ዘይኮነ፡ ብዞባ ኮነ ብዓለም ደረጃ እንተዝወዳደር እውን፡ “እምቢ ንመግዛእትን ወጽዓን” ኢሎም መሰሎም ብቃልሶም ካብ ዘረጋገጹ ህዝቢታት ቅድሚት ዝስራዕ እዩ። ኣብቲ ጌና ቀጻሊ ዘሎ ጉዕዞ ቃልሱ ጽንዓቱ፡ ትብዓቱን ሓድነቱን ምስጢር ዓወቱ ምዃኑ ዝተረድኡ ናይ ግዳም ገዛእቲ ኮኑ ዘቤታውያን ወጻዕቲ ነዚ ምስጢር ናይ ዓወቱ ዝኾነ ባህርያቱ ከዳኽሙ ቅድም ላሕ ኢሎም፡ ሎሚ’ውን ይቕጽሉ ኣለዉ። ቅድም ናጽነቱ ከም ዘይከልከልዎ፡ ሎሚ’ውን ናይ ግዜ ጉዳይ እንተዘይኮይኑ፡ ወሳንነት ህዝባ ዝረጋገጸሉ ዲሞክራስያዊት ኤርትራ ካብ ምህናጽ ኣይክዓግትዎን እዮም።

እወ! ህዝቢ ኤርትራ ክሳብ ሎሚ ሞሳ ናይቲ ዝኸፈሎ ክቡር ዋጋ ኣይረኸበን፡ ጥራይ ዘይኮነስ ምስ ግዜ መግዛእቲ እንዳወዳደረ፡ “ባዕለይዶ በላዕየይ ጸዊዐ” ብዘብል ምረት ክንዲ ዝያዳ ዝተቓለሰ፡ ዝያዳ ተወጻዕን ተበዳልን ኮይኑ ምህላዉ ይረአ ኣሎ። ንዝሓለፈ ሰላሳ ዓመታት ብሰንኪቲ ሕድሩ ዝበለዐ መላኽዒ ኢሳያስ ኣፈወርቂ ዝመርሖ ጉጅለ ህግዲፍ፡ “ድምጹ ኣብ ዘይስመዓሉ” ሃለዋት  ይደሃኽ ምህላዉ ንዕዘቦ ኣለና። “ነዚ ኣፉ ዝተለጉመ  ህዝቢ ድምጺ ንኹኖ” እንብል ከኣ ካብዚ ነቒልና ኢና።

ኣብ ትሕቲ ወጽዓ ምንባር ብህዝቢ ኤርትራ ዝተጀመረ ኣይኮነን። ርሑቕ ከይከድና፡ ጐረቤቱ ህዝቢ ሱዳን ዳርጋ ንሰላሳ ዓመታት፡ ኣብ ትሕቲ  ምምሕዳር ዑመር ኣልበሽር ኣብ ተመሳሳሊ ወጽዓ ጸኒሑ። ግን ከኣ ምሉእ ዳኣ ይግበሮ እምበር ብቓልሱ ንበሽር ኣልጊስዎ እዩ። ጉጅለ ህግዲፍ ምእንቲ ናይ ለውጢ ንፋስ ካብ ሱዳን ናብ ኤርትራ ከይነፍስ፡ ኣብ ሱዳን እውን ሓቀኛ ናይ ለውጢ ድምጺ ንከይስማዕ ኢድ ኣእትዩ ንሓያሎ ዓመታት ክዘርግ ከም ዝጸንሐ ዝዝንጋዕ ኣይኮነን። እቲ ምዝራግ ናይ ህግዲፍ ሎሚ እውን ኣብ ሱዳን ምልክታቱ ይረአ ኣሎ። ናይቲ ጉጅለ ኢድ ኣብ ምግዳድ ጸገማት ምብራቕ ሱዳን ኣብ ዝተፈላለዩ መድረኻት ኣዘራራቢ ኮይኑ ምህላዉ ከኣ መረጋገጺ እዩ።

ተመኩሮ ቃልሲ ህዝቢ ኤርትራ፡ ኣብ ኤርትራ ጥራይ ተሓጺሩ ዝነበረ ዘይኮነ፡ ካብ ኤርትራ ወጻኢ ዘሕድሮ ጽልዋታት ነይርዎ እዩ። ብፍላይ ከኣ ኣብ ሱዳንን ኢትዮጵያን ጽልዋኡ ርኡይ ነይሩ። ኣብ ሱዳን ዘነበረ ወጽዓ ምስ ናይ ኤርትራ ዝመሳሰል እምበር፡ ዝሓሸ ምንባሩ ፍሉጥ እዩ። ካልእ ይትረፍ ሱዳናውያን ኣብ ገዛእ ዓዶም ኣብ ፖሊታዊ ኮነ ሲቪላዊ ምልዕዓላት ናይ ምውዳብን ናይ ተቓውሞ ሰልፍታትን ኣድማታትን ናይ ምክያድን ተኽእሎ ነይርዎም። ሳላዚ ዕድል ምርካቦም ከኣ ነቲ ወጻዒ ጉጅለ ብማዕዶ ዘይኮነ ብቐረባ ኣብ ኣፍንጫኡ ኮይኖም ክከታትልዎን ድቃስ ክኸልእዎን ኣኽኢልዎም። ሳላዚ ተኽእሎዚ ከኣ  ንምምሕዳር ዑመር ኣልበሽር ብዘይጐነጻዊ ህዝባዊ ማዕበል ኣወጊደምዎ። ህዝቢ ሱዳን ናብዚ ዓወትዚ ካብ ዘብቅዕዎ ቀንዲ ምኽንያታት  ኩሎም ኣብ ለውጢ ረብሓ ዘለዎም ምስ ኩሉ ፍልልያቶም ብሓባር ኣንጻር ናይ ሓባር ወጽዓኦም  ክስለፉ ምብቀዖም እዩ። ካብዚ ሓሊፉ ናይታ ሃገር ሰራዊት ምስ ህዝቡ ምስላፉ ኣብነታዊ ብጽሒት ነይርዎ።

ብዙሓት ወገናት ነቲ ነዊሕን መሪርን ተመኩሮ ቃልሲ ህዝቢ ኤርትራ ኣብ ግምት ኣእትዮም፡ ናይ ለውጢ ንፋስ ካብ ኤርትራ ናብ ሱዳን ኣብ ክንዲ ዝነፍስ ብኣንጻሩ ኮይኑ ክብሉን ከስተንትኑን ይስምዑ እዮም። በዚ ኮነ በቲ  ሎሚ ህዝቢ ኤርትራ ካብ ተመኩሮ ህዝቢ ሱዳን ክቐስሞ ዝግበኦ ናይ ቃልሲ መስርሕ  ኣለዎ። ኣብዚ ዝሓለፈ ክልተ ዓመታት፡ ቅድም  ኣብ ኢትዮጵያ ድሕሪኡ ከኣ ኣብ ሱዳን ናይ ለውጢ ድምጽታት ምስተሰምዐ ኣብ ኤርትራ  እውን ጽልዋ ከምዘሕድር ናይ ብዙሓት ግምት ነይሩ። ብግብሪ ግና ትሕቲ ግምት ኮይኑ። ከምኡ ዝኾነሉ  ምኽንያት ከኣ፡ ክጽናዕ ዝግበኦ እዩ።

ገለ ካብቲ ጐሊሑ ዝተራእየ፡ እቲ  ናይ ጐረባብቲ ሃገራት ለውጥታት ንኤርትራ ክንድቲ ትጽቢት ዝተገብረሉ ዘይምጽላዉ ምኽንያት፡ እቲ ኣብ ኤርትራ ዝገዝእ ዘሎ ጉጅለ፡  ለውጢ ናብ ኤርትራ ከይልሑኽ፡ ተሓላቒ ልኡላውነት ሃገር ተመሲሉ፡ ንህዝቢ ጅሆ ሒዝሉ ዝነበረ ኣጀንዳታቱ ብተጻራሪ  ቀይሩ፡ ኣብተን  ሃገራት ኢድ ኣእትዩ ዝፈጠሮን ዝፈጥሮ ዘሎን ዕግርግርን ምዝራግን እዩ። በዚ ኣቢሉ ከኣ “ለውጢ ኣብ ሱዳን ኮነ ኣብ ኢትዮጵያ ብዘይካ ህውከትዶ እንታይዶ ጠቒሙ እዩ?” ዝብል ስምዒት ኣሕዲሩ፡ ህዝቢ ሰጊኡ ንለውጢ ዝካይዶ ቃልሲ ከም ዘዋድቖ ንምድራኽ ይጽዕር ኣሎ። እቲ ምስዘን ክልተ ጐረባብትና ሃገራት ብመሬት ንዝራኽብ ዶባት ንሓንሳብ ምዕጻዉ ንሓንሳብ ድማ ምኽፋቱ ከኣ ናይዚ ስግኣቱ ምልክት እዩ። እዚ ምዕጻውን ምኽፋትን ምስ ኤርትራ ዘራኽብ ዶባት፡ ናይ ለውጢ ንፋስን ዲሞክራስያዊ ጽልዋን ንምዕጻው ጥራይ ዘይኮነ፡ ንህዝቢ ኤርትራ ብስእነት መሰረታዊ ቀረባት ቀጺዕካ፡ ብዛዕባ “ካብዚ ዝኸፈአ ኣይተምጸኣልና”  ምህልላ እምበር፡ ብዛዕባ ዝሓሸ መጻኢ ከም ዘይሓስብ ንምግባሩ እዩ። እንተኾነ ንህግዲፍ ደኣ ይመስሎ ይኸውን እምበር፡ ህዝቢ ኤርትራስ ክሳብ ዝተወጸዐ ኣንጻር ወጽዓ ምቅላስ ከዋድቖ እዩ ኢልካ ምጽባይ  ዘበት እዩ። ማሕለኻታት ህግዲፍ በቲኽካ፡ ካብ ተመኩሮ ህዝቢ ሱዳንን ካለኦት ለውጥታትን ተመኲርካ ቃልስኻ  ምሕያልን ምብርባርን፡ ሕጂ እውን ኣብ ቅድሚ ህዝቢ ኤርትራ ዘሎ ካልእ ዘይዓሞ መሰረታዊ ሓላፍነት እዩ።

ካብዚ ጌና ብዙሕ ጸገማት ዘለዎን ኣብቲ ዝዓለሞ ክበጽሕ ብዙሕ ብደሆታት ዝጽበዮ ዘሎን ተመኩሮ ለውጢ ህዝቢ ሱዳን፡ ክመሃር ዝግበኦ ህዝቢ ኤርትራ ጥራይ ኣዘይኮነ፡ ዝያዳ ሓይልታት ምክልኻል ኤርትራ እዩ። ሓይልታት ምክልኻል ኤርትራ ህዝቡ ኣብ ከመይ ዝኣመሰለ መሪር ወጽዓ  ከም ዘሎ ንሱ ዝምህርን ዝሕብርን እምበር፡ ኣብ ማእከል እቲ ማዕበል ወጽዓ ስለ ዘሎ “ከምዚ እዩ” ተባሂሉ ኢልካ ዝንገሮ ኣይኮነን። ጉጅለ ህግዲፍ ንህዝብና ዝብድሎ ዘሎ ከኣ ንዓኡን ካለኦት ትካላት ጸጥታን ተጐዝጒዙ እዩ እምበር ብኻልእ ተኣምር ኣይኮነን። ስለዚ ከምቲ ሰራዊት ሱዳን ዝገበሮ፡ ምስ ህዝቡ እምበር ምስቲ ወጻዒ ጉጅለን ትካላቱን ክስለፍ እዋናውን ወድዓውን ኣይኮነን። እቲ ጉጅለ መስመር ኣስሒቱ ዘይሩዘይሩ ንኤርትራዊ ጉዳይና ሓላሊኹ ናብ ዝኸፈአ ዝወስድ ዘይምልከቶ መንገዲ ህውከት ከየእትዎ ክጥንቀቕ ይግበኦ። ኤርትራዊ ናይ ለውጢ ሓይልታት እውን ካብዚ ኣብ ከባቢና ዝረአ ዘሎ ለውጥታት ንኩነታት ሃገርናን ቀጻሊ ረብሓ ህዝብናን ኣብ ግምት ብምእታው ዝውሰድን ዘይውሰድን ተመኩሮ መሚኻ ናይ ምቕሳሙ ሓላፍነት ከም ዘለዎም ክዝንግዑ ኣይግበኦምን።

ርእሰ-ዓንቀጽ ሰዲህኤ

ኣብ ቅድሜና ዘሎ መሰረታዊ ዕማም፡ ህዝብን ሃገርን ምድሓንን ሕገ-መንግስታዊ፡ ብዙሕነታውን ዲሞክራስያውን ስርዓት ኣብ ኤርትራ ብዘተኣማምን ምትካልን እዩ። ናይዚ  ምዕዋትን ዘይምዕዋትን ካብ ዝውስኑ መሰረታዊ ጉዳያት ምውሓስ ሓድነት ኤርትራውያን መሰረታዊ እዩ። ሓድነት መሰረታዊ ዝኾነሉ ምኽንያት፡ ናይቲ ኩሉ እቲ ዝእመም መደባት ኣብ ምዕዋት ቅድመ ኩነት ስለ ዝኾነ እዩ። እዚ ባዛዕባኡ ንዛረበሉ ዘለና ኣካላዊ ሓድነት ጥራይ ማለት  ዘይኮነ ናይ ኣተሓሳስባ ሓድነት’ውን እዩ። ሓድነት ክሳብ ክንደይ ወሳኒ ምዃኑ፡ ንተመኩሮና ብመንጽር ህላወን ብኩራትን ሓድነትን ምስ እንግምግሞ ኣውንታውን ኣሉታውን ሳዕቤናቱ ንምርዳእ ዘጸገም ኣይኮነን። “ምስጢር ዓወትና ሓድነትና እዩ” ዝብል ነባር እምነትና ከኣ ንኹልና ኤርትራውያን ዘሰማምዕ’ዩ።

ሓድነት ደረጃታት ዘለዎ፡ ካብ ንእሽቶ ጀሚሩ ብመስርሕ እናዓበየን እናደልደለን ዝኸይድ፡ ሓደስቲ ተርእዮታት ኣብ ግምት እንዳእተወ፡ ኣብ ቀጻሊ ምዕባለ ዝነብር ኢዩ። ሓድነት ጻዕርን ምሕብሓብን ዘድሊዮ ሓንሳብ ተጀሚሩ ብቐሊል ዝውዳእ ኣይኮነን። እቲ ቀንዲ ትዂረት ናይ ሓድነት ህዝቢ ማእከሉ ዝገበረ ክኸውን ኣለዎ። ኣብ ፖለቲካዊ ውድባትን ሰልፍታትን፡ ኣብ ማሕበራትን ህዝባዊ ምልዕዓላትን፡ ኮታ ኣብ ኩሉ ውዳበታትን ጽፍሕታትን ዝረጋገጹ ሓድነታት ኣዕኑድ ናይቲ ክረጋገጽ ዘለዎ ድልዱል ሓድነት ህዝቢ  እዮም።  እዚ ክሳብ ክንድዚ ወሳኒ ዝኾነ ሓድነት፡ ከም ዘየቋርጽ ዋሕዚ ተታሒዙ ዝኸይድ'ምበር ብሕዝ ግድፍ ዝእለ ስለዘይከውን መሰረቱ ክጸንዕ ይግበኦ። ምእንቲ እዚ ህያው ክኸውን ከኣ ኣዕሚቕካ ምድኳኑ ኣገዳሲ እዩ።

ኣብ መስርሕ ሓድነት ህዝብን ሃገርን ካብ ዘጋጥሙ ብደሆታት፡ ንሓድነት ምስ ናይ መንነት ብዙሕነት  ብዘሳኒ መንገዲ ክትገጥሞ ምብቃዕ እዩ። ኣብዚ መስርሕዚ ዘጋጥም፡ ሓድነት ከተዕውት ክትብል፡ ነቲ መለልዪ ብዙሕነት ዝኾነ መንነት ግቡእ ኣድህቦ ምሃብን ዘይምሃብን እዩ። ኣብዚ መዳይዚ ዘጋጥም ሓደ ጫፍ ሒዝካ ናይ ምውጣጥ ሕጽረት ቀሊል ከም ዘይኮነ፡ ኣብ ብዙሕ ተመኩሮታት ተራእዩ እዩ። ሓድነት ህዝብን ሃገርን፡ ነቶም ከም ሃይማኖት፡ ቋንቋ፡ ባህሊ፡ ኣውራጃን ካለኦትን ብዙሕነታትን ብዝተጸንዐ መንገዲ ኣብ ግምት ከተእቱ ምኽኣል ንቀጻልነትን ጽንዓትን ሓድነት ዓብይ መተኣማመኒ እዩ። እዚ ኣብ ዘይተረጋገጸሉ ዝድኰን ሓድነት፡  ናይ ምቕጻሉ ዕድል ኣዝዩ ጸቢብ እዩ።

ሓድነት ክሳብ ክንደይ ኣብ ምዕዋት ቃልስና ወሳንን መተካእታ ዘይብሉን ምዃኑ፡ ቅድም ኣብ ምዕቋብ ናጽነት ኤርትራ ተረጋጊጹ ኢዩ። ሎሚ’ውን ዲሞክራስያዊ ለውጢ ንምርግጋጽ ፍቱን መሳርሒ ምዃኑ ርዱእ እዩ። ኣብ ብኩራት ሓድነት ዘጋጥም  ዕንክሊል ክሳብ ክንደይ ከም ዘኽስር እውን ብመጽንር ዝሓለፈ ተመኩሮ ቃልስና ፍሉጥ እዩ። ንሕና እዞም ኣብ ኤርትራ መሰረታዊ ለውጢ ንምርግጋጽ ንቃለስ ዘለና ኤርትራውያን፡ መጻሕፍቲ ከይገንጸልና ናትና ኤርትራዊ ሃብታም ተመኩሮ ኣለና። በብእዋኑ እቲ ህዝብና ዝጽበዮ ሓድነትና ይሕይል ከም ዘሎ ዝሕብር ዜና ክቃላሕ እንከሎ፡ ተስፋን ትጽቢትን ህዝብና ይልምልምን ይብርኽን። ብኣንጻሩ ወረ ምርሕሓቕና፡ ምብትታንናን ምክፍፋልናን ክስማዕ እንከሎ፡ ክሳብ ክንደይ እቲ ለውጢ ዝሃርፍ ህዝብና ተስፋ ከም ዝቖርጽን ከም ዝሻቐልን ምግንዛብ ጥራይ ሃብታም መምህር እዩ።

እንሕዞ ጉዕዞ ናብ ሓድነት ንድሕሪት ዘይምለስ ምእንቲ ክኸውን፡ “ሓድነት ምስ መንን ኣብ ምንታይ? መዓስን እንታይ ሸቶ ንምዕዋትን?” ዝብሉ ሕቶታት ዝምልስ መባእታዊ መጽናዕቲ ምክያድ ኣድላይ እዩ። ተደላይነቱ ከምዘለዎ ኮይኑ ግን፡ ብጉልባብ መጽናዕቲ ንህጹጽ ኣገዳስነት ሓድነት ጓሲኻ፡ ዘይተደላዪ ግዜ ምብላዕን ምኽንያታት ምኹማርን ኣድላይ ኣይኮነን። ኣብዚ ቅድመ ምብጋስ ናብ ሓድነት ዝግበር መጽናዕቲ ዘይተጠቕሱ፡ ኣብቲ መስርሕ ዘጋጥሙ ጥንቁቕ ኣተኣላልያ ዘድልዮም ብደሆታት ኣየጋጥሙን ማለት ኣይኮነን። ናብ ሓድነት ክትነቅል እንከለኻ ነዚኣቶም’ውን ቅሩብ ምዃን ግድን እዩ። ብመሰረቱ እቶም ኣብ ሓድነት ዝጽመዱ ኣካላት ዝፍተኑ፡ ነቲ ኣብ ጉዕዞ ሓድነት ዝምዕብል ዕንቅፋታት ብከመይ ይፈትሕዎ ኢዩ? ወይ ብትዕግስቲ ሕድገታትን ህዝባዊ ሓልዮትን እንዳ ወገንካ ክትቅጽል ምብቃዕ፡ ወይ ብክስገር ዝኽእል ንኡስ ጸገም ተሰናቢድካ ንድሕሪት ምምላስ እዩ። እዚ እዩ ከኣ “ኣጽኒዕካ ምሓዝን፡ ሒዝካ ዘይምስዳድን” ዝብለና።

ሰልፊ ዲሞክራሲ ህዝቢ ኤርትራ (ሰዲህኤ)፡ ኣብ ፖለቲካዊ ውሳነ፡ ናይ 2019 3ይይ ሓድነታውን ጉባአኡ “ሰዲህኤ……… ህዝቢ ኤርትራ ኣብ ሓድነት፡ ሰላም፡ ፍትሒ፡ ዲምክራሲ፡ ሃገራዊ ብልጽግናን ልዑላውነትን ንዘለዎ ባህጊ ብግብሪ ንምርግጋጽ ከይተሓለለ ክቃለስ አዩ።…..” ብዝብል ንሓድነት ዘለዎ ድሉውነት ኣስፊሩ ኣሎ። ሓድነት ህዝቢ ኤርትራ ንምርግጋጽ፡ ግደ ናይቶም ኣንጻር’ቲ ሓድነት ህዝቢ ኤርትራ ዘባህርሮ ጉጅለ ህግዲፍ ዝተሰለፉ ዝተፈላለዩ ኤርትራዊ ውዳበታት ንምዕዛዝን ካብ ዝሐለፈ ተመኩሮና ተማሂርና ሓድነት ንምርግጋጽ ዘሎ ዕዙዝን ተገዳስነትን ንምርኣይ ከኣ ኣብ መእተዊ ፖለቲካዊ መደብ ዕዮኡ፡ “ሓድነት ደለይቲ ፍትሒ ኤርትራውያን ንዓወት ቃልስና መሰረታዊ ውሕስነት ምዃኑ ኵላትና እንሰማማዓሉ ጕዳይ ኢዩ። እንተኾነ ግን፡ ኣብ ግብሪ ምውዓሉ ንብዙሕ ዓመታት ጸጊሙና ምጽናሑ ድማ ዝከሓድ ኣይኰነን። ሎሚ ግን፡ ደምበ ተቓውሞ ካብ ሕሉፍ ተመኵሮታቱ ተማሂሩ፡ ናብ ምቅርራብን ሓቢርካ ምስራሕን ገጹ የድህብ ምህላዉ ተስፋ ዝህብ ጕዳይ ምዃኑ ጕባኤ መዚኑ።“ ይብል።

ሰዲህኤ፡ ኣብ ጉባአኡ ምውሳን ጥራይ ዘይኮነ፡ ካብ 3ይን ሓድነታውን ጉባአኡ ንደሓር ከም መቐጸልታ ናይቲ ቅድሚኡ ዝነበረ ጻዕሩ፡ ማዕረ ማዕረ’ቲ ሰልፊ ናይ ምሕያልን ውሽጣዊ ሓድነት ናይ ምድልዳልን ዋኒኑ፡ ቀዳምነት ሂቡ ዝሰርሓሉ ዘሎ፡ ሓድነት ፖለቲካዊ ሓይልታት ኤርትራ እዩ። እዚ ንሓድነት ህዝቢ ኤርትራ ድልዱል መሰረት ናይ ምንባር ጻዕሩ በቲ ኣብ መንጐ ፖለቲካዊ ሓይልታት ዝግበር እሂን-ምሂን ጥራይ ከይተደረተ ኣባላቱ ኣብ ኩሉ ህዝባዊ ምልዕዓላት ከበርክቱ የተባብዕ። ሰዲህኤ፡ ብ2017 እዩ ኩነታት ደንበ ተቓውሞ ኤርትራ ዳህሲሱ፡ ምዕቃብ ልኡላዊ ግዝኣት ኤርትራ፡ ምውዳቕ ዲክታቶርያዊ ስርዓት ህግደፍን ምልጋስ መሓውራት ጭቆናኡን፡ ድሕሪ ውድቀት ስርዓት ህግደፍ ኣብዝሓ ሰልፋዊ ስርዓት ዝሰረቱ ህዝባዊ ዲሞክራስያዊ ስርዓት ምቛምን ግዝኣተ ሕግን ዲሞክራስያዊ መሰላትን መላእ ሓርነታትን ህዝቢ”  ዝመሰረቱ ናይ ሓቢርካ ምቅላስ ንድፊ ዘቐረበ።

ሰዲህኤ፡ ኣብዚ ሎሚ ተበጺሑ ዘሎ ተስፋ ዝህብ፡ ናይ ፖለቲካዊ ሓይልታት ኤርትራ ጥምረት ንምብጻሕ፡ ኣብ መስርሕ ዝረኣዩ ምዕባለታት ንምውጋን ነቲ ኣብ ንድፉ ኣብ መስርሕ ዝኽሰት ሓድሽ ሓሳባትን ተርእዮታትን ብምጽውዋር፡ ትዕግስቲን፡ ህዝባዊ ሓላፍነትን  እንዳኸለሰ ከመዓራሪ ጸኒሑ። ንመጻኢ እውን ሓድነትና ኣብቲ ቀዳማይ ምዕራፍ ንህግዲፍ ዘወግድ፡ ድሕሪኡ ከኣ ተዛሪቡ ዘስምዕ፡ ወቒዑ ዘድምዕ ሃገር ዘህንጽ ሓድነት ህዝቢ ኤርትራ ክሳብ ዝብጻሕ ጻዕሪ ሰዲህኤ ቀጻሊ እዩ።

ርእሰ-ዓንቀጽ ሰዲህኤ

ዲክታተር ኢስያስ ኣፈወርቂ ኣብዚ ቀረባ መዓልታት፡ ካብ 12 ክሳብ 14 ጥቅምቲ 2020 ኣብ ኢትዮጵያ ኮለል ክብል ቀንዩ። መገሻኡ “ብዕድመ ቀዳማይ ሚኒስተር ኢትዮጵያ” ከም ዝኾነ ተቓሊሑ። ብመሰረት  እቶም ነቲ ጉዳይ ቀሪቦም ብረቂቕ ዝከታተልዎ ወገናት ዝህብዎ ሓበሬታ ግና፡ እዚ ንኢሳያስ ዘይግበኦ ክብሪ ንምሃብ ዝተማህዘ ከም ዝዀነን  ከይተዓደመ ደፊኡ ናብ ኢትዮጵያ ከም ዝኣተወን እዩ ዝግለጽ። ኣብ ወርሒ ሓምለ 2018 ኣብ መንጎ መራሕቲ ኤርትራን ኢትዮጵያን ስምምዕ ሰላም ተኸቲሙ ካብ ዝበሃል፡ እቲ ብሕቡእ ዝካየድ ገዲፍካ ኢሳያስ ብወግዒ 5ተ ግዜ ናብ ኢትዮጵያ ተመላሊሱ።

ኢሳያስ ኣብዚ ተደጋጋሚ ናብ ኢትዮጵያ መገሻኡ ኣብ ከታማታት፡ ኣዲስ ኣበባ፡ ኣዋሳ፡ ናዝሬት፡ ጐንደር፡ ባህርዳር፡ ዝዋይን ጅማን በጺሑ። ናብዘን ከተማታት ኣብ ዝበጸሓሉ ከኣ፡ ዝተፈላለዩ ናይ ኢንዳስትሪ ፓርክታት፡ ዩኒቨርሲታት፡ ኣብ ደብረዘይቲ ዝርከብ ኢትዮ-ኢንጅነሪንግን መደበር ሓይሊ ኣየር ኢትዮጵያን፡ ኣብ ዝዋይ ዝርከብ ዘመናዊ መስኖ፡ ኣብ ጅማ ዝርከብ ማእከል ፈልሲ ቡን፡ ኣብ ጐቦ እንጠጦ ዝተሃንጸ ሓድሽ መናፈሻ፡ ማእከል ሓይሊ ኤልክትሪክ ግቤን ዓብይ ዲጋ ህዳሴ ኣባይን በጺሑ። ኣወዳድባ ቤት ጽሕፈት ቀዳማይ ሚኒስተር ኢትዮጵያ ከም ዝተዓዘበ እውን ተነጊሩ። ነዝታት ተዓዚቡ ቅዱስ ቅንኢ ሓዲርዎ ከምዘይትግብሮ’ኳ ርዱእ እንተኾነ፡ ኣብ ኩሉቲ ዝበጸሖ ቦታታት ብዛዕባቲ ትካላት ብክኢላታት መግለጺ ተዋሂብዎ።  እዚ ዝኸውን ዘሎ ኣብ ኤርትራ ካብ ዓዲ ሃሎ ወጺኡ “ኣብዚ ቦታዚ በጺሑ” ዝብል ዜና ነበረያነበረ ኣብ ዝኾነሉ እዩ። ንሱ እዩ ከኣ “ኣባ ጉንባሕሲ ዘይግራቱ ይኾልል” ዘብል።

ምስዚ ኩሉ ቀጻሊ ምምልላሱ ግና፡ ጉዳይ ህዝቢ ዘገድሶ ኣይኮነን። ንማለቱ’ውን ምስቶም ኣብ ኢትዮጵያ ዝርከቡ ዘይቀበጽዎ ውሑዳት ኤርትራውያን ክራኸብ ሓሲብዎን ፈቲንዎን ኣይፈልጥን። ነዚ ዘይገብር “መራሒ ኤርትራ እየ” ዝብል ውልቀ መላኺ  ኢሳያስ ኣብ ኤርትራን ኤርትራውን ዘለዎ ንዕቀትን ዘይተገዳስነትን ክሳብ ክንደይ  ሳዕሪሩ ከም ዘሎ ዘረድእ መረጋገጺ እዩ። ኣብ ኣዲስ ኣበባ ካብ ዝነብሩ ኤርትራውያን መብዛሕትኦም ካብ ኢሳያስ ተስፋ ዝቖረጹ እዮም። እቶም ውሑዳት ተታሊሎም ዝነበሩ ብዛዕባቲ ኢሳያስ ኣብ ልዕሊ ኤርትራ ዝኣልሞ ዘሎ ውዲት ዘይተረድኡን ድማ ብምስምስ ተላባዒ ሕማም ኮቪድ-19 ዝሕለብዎ ዘለዉ ገንዘብን ኣብ መዓልኡ ዘይውዕል ከምዘየሎ  ከስተውዕሉ ይግበኦም።

ናይዚ ንነዊሕ ግዜ እንኮ መገሻኡ ናብ ዞባ ጋሽ ባርካ ምምልላስ ወይ  ኣብ ዓዲ ሃሎ ተዓኹሊልካ ምውዓል  ዝነበረ ዲክታተር፡ ክልተ መብረ ዘየብሎም ዕዙማት ኣሰነይቲ ኣኸቲሉ፡ ናብ ኢትዮጵያ ናይ ምምልላስ ዕላማ “ኪኖ’ቲ ዝርአ እንታይ እዩ?” ዝብል ናይ ብዙሓት ሕቶ እዩ። ብሰንክቲ ኣብ ኤርትራ ዘሎ ዘይግሉጽነት፡ ኣብ ምናልባት ዝተመርኮሰ መልሲ ጥራይ ከም ዝህልወና ፍሉጥ እዩ። እቲ ርኡይ ምኽንያት ካብ ኤርትራዊ ዛዕባ እንዳሃደምካ ናይ ጐረባብትን ከባብን ተገዳሲ መሲልካ ንምቕራብ ዝመሃዝ “ኣተሃድማ ዕቡያት” እዩ። ኣብቲ ብቐጥታ ዝምልከተካ ሓላፍነት ከየድማዕካ ደገደገ ምምዕዳው፡ ኣብቲ እተማዕድዎ እውን ከተድምዕ ከምዘየኽእል ርዱእ እዩ። ብመንጽር’ዚ ንስሙኳ ኤርትራዊ ጉዳይ ክውግን ዘይፈተነን ዘይደለየን ሸፋጢ ዲክታተር ኣብ ጉዳይ ጐረቤት ኮነ ከባቢ ክጽይቕ እንተዘይኮይኑ ከዐሪ ከምዘይክእል  ካብ ዘየስተብህልሉ እቶም መዋዕልቱ’ውን ካብኡ ዝሕሹ ኣይኮኑን።

እቲ ካልእ ተልእኾ ቀጻሊ መገሻታት ናይዚ ዲክታተር ናብ ኢትዮጵያ፡ ኣብ ጉዳይ ኢትዮጵያ ኢዱ ኣእቲዩ ውሽጣዊ ጉዳዮም ኣባሊሑ፡ ብፍላይ ነቲ ኣብ መንጎ ክልል ትግራይን ፈደራላዊ መንግስቲ ኢትዮጵያን ዘሎ ወጥሪ መዝሚዙ ሕነ ንምፍዳይ ምዃኑ ናይ ብዙሓት ግምት እዩ። ህልዊ ኩነታት ኢትዮጵያ፡ በቲ ኢሳያስ ዝሃርፎ በታኒ ዘይሓላፍነታዊ ኣገባብ ድዩ ክተሓዝ፡ ወይስ በቲ ኣብ ኢትዮጵያ ዘሎ ወድዓውን በዓል ቤታውን ሓቂ ኣብ መጻኢ ዝረአ ንኢትዮጵያውያን ዝምልከት እዩ። ብዙሓት ከም ዝረዳድእሉ፡ ጉዳይ ኢትዮጵያ ብኢትዮጵያዊ ክውንነት እምበር ብኢሳያሳዊ ጠብሎቕሎቕ ክውገን ንቡር ኣይኮነን። ድሮ እውን ብፍላይ ምስቲ ኣብ ኢትዮጵያ ዝረአ ዘሎ ምስ ናይ ኤርትራ ዝመሳሰል ናይ ገንዘብ ምምሕዳርን ምቁጽጻርን “ኣቶ ኢሳያስ ካብ ጉዳይና ኢድኩምን እግርኹም ኣክቡልና” ዝብል  ድምጺ ኢትዮጵያውያን መመሊሱ ይዛይድ ኣሎ።

ዲክታቶር ኢሳያስ፡ ጌና እቲ ንኤርትራ ካብ ኢትዮጵያዊ መግዛእቲ ናጻ ንምውጻእ ዝካየድ ዝነበረ ብረታዊ ቃልሲ ኣብ መስርሕ እንከሎ፡ ካብ ኢትዮጵያ ንዘይምፍላይ የዕጠጢ ከም ዝነበረ፡ ብዓይኖም ዝረኣዩን ብእዝኖም ዝሰምዑን ምስክርነቶም ሂቦም እዮም። እዚ ገበነኛ ሰብኣይ ነቲ ህዝቢ ኤርትራ ናጻ ተዓዘብቲ ኣብ ዝነበርሉ፡ ብልዕሊ 99%  “እወ ንናጽነት” ዝበሎ ውሳነ ዘንጊዑ፡ ኣብዚ ቀረባ ግዜ ኣብ ኢትዮጵያ ከይዱ፡ “ሎሚ እያ መስዋእትን ውሳነን ህዝቢ ኤርትራ ንምጥላም እትጥዕም” ብዝብል፡ ኣፍ ልቡ ብክልተ ኣእዳዉ እንዳደሰቐ “ክልቴና ህዝቢ ሓደ ኢና” ክብልን፡ ንኤርትራ ኢትዮጵያዊ መራሒ ክመዘላን ተዓዚብናዮ ኢና። ዋላ’ኳ እዚ ከሓድን ጠላምን ጉሒላ፡  ሃንደፍደፉን ኣብ ውሽጥን ወጻእን ኤርትራ ሓያል ቁጠዐ ከም ዘልዓለ እንተዘይሰሓቶ፡ ሓንሳብ ስለ ዝዓበደ ከምቲ “ሓንሳብ ዝጠልቀየ ዝናብ ኣይፈርሕን” ዝበሃል፡ ካብቲ ምስ ኢትዮጵያ ሕግብግብ ናይ ምባል ስምዒቱ ኣይወጸን። ኣብዚ ዳሕረዋይ መገሻኡ እውን፡ ኤርትራ ምስ ኢትዮጵያ እትሕወሰሉ ውዲት እንተዘይተዓወተ፡ ንመጻኢ ህይወቱ ኣብቲ መንግስቲ ቀዳማይ ሚኒስተር ኣብይ ኣሕመድ ኣብ ምብራቕ ኣዲስ ኣበባ ዝገዘኣሉ  ዘመናዊ መንበሪ ገዛ ናይ ምጥጣሕ ዕላማ ከም ዘለዎ ነቲ ጉዳይ ብኹሉ መልከዓቱ ብደቂቕ ዝከታተልዎ ኣካላት ይእምቱ።

ኣብዚ እዋንዚ ኣብ ኢትዮጵያ ብዶ/ር ኣብይ ኣሕመድ ዓሊ ዝምራሕ ዘሎ መንግስቲ፡ በቲ ሓደ ወገን “ሕጋውነቱ ዘብቀዐ እዩ” በቲ ካልእ ወገን ከኣ “የለን ሕጂ እውን ሕገመንግስታዊ እዩ” ዝብል ሓያል ፖለቲካዊ ምስሕሓብ ኣሎ። ኣብዚ ህሞትዚ ናይ ኢሳያስ ናብ ኢትዮጵያ ምጋሽ እምበኣር፡ ናይቲ  መንግስቲ ኣብይ ኣሕመድ  ሕጋዊ ህያውነት ንምድማቕ እዩ ዝብሉ ወገናት እውን ኣለዉ።

በዚ ኮነ በቲ፡ እዚ ናይ ኢሳያስ ቀጻሊ ወዛሕዛሕ ናብ ፈቐዶ ከተማታትን ትካላትን ኢትዮጵያ፡ ብርግጽ ማእከሉ ረብሓን ቀጻልነትን ኤርትራን ህዝባን ኣይኮነን። ነዚ መዕገቲ እንተ ዘይገርናሉ፡ ንመጻኢ ዕድል ሃገርናን ህዝባን ካብ ዝኸፈአ ናብ ኣዝዩ ዝገደደ ዝወስድ ሓደገኛ መንገዲ ከይከውን ዘተሓሳስብ እዩ። ነዚ ስግኣትዚ ቀንጢጥና ናብ ኩለመዳያዊ ኤርትራዊ ራህዋ ንምቕያሩ ከኣ፡  ነቲ ኣንጻር ገበናት ኢሳያስ፡ ዝምረሓሉ ኣተሓሳስባን መተግበሪ ትካላቱን ነካይዶ ዘለና ቃልሲ ሓድነትና ኣደልዲልና ካብ ምቕጻሉ ካልእ መተካእታ ከም ዘየብልና ዝያዳ’ቲ ዝሓለፈ ግዜ ከነስተውዕል ንጥለብ።

ርእሰ-ዓንቀጽ ሰዲህኤ

ኢሳያስን ጉጅለኡን ንስሙ ከም መራሕቲ ኤርትራ ይጸውዑ እምበር ብኣተሓሳስባን ተግባርንሲ ምስ ህዝቢ ኤርትራ ካብ ዘይህልዉ ነዊሕ ግዜ ኮይኑ እዩ። ብሓደ ዘይምህላዎም ንምርዳእ ድማ ድሌት፡ ባህግን ትጽቢትን ህዝቢ ኤርትራ እንታይ ምዃኑ ተረሲዑ፡ መላኺ ስርዓት ናይ ጭቆና ስልጣኑ ከናውሕ ብዝገብሮ ዘሎ ወስታታት ሃገራዊ ክድዓት ዝሓዘ ውዲታት ዝግለጽ እዩ።

ህዝቢ ኤርትራ፡ ልኡላውነት ሃገሩን ክብሩን ክዕቀብ፡ ኣብታ ኣዝዩ ክቡር ዝዋጋኣ ሃገሩ፡ ኩሉ መሰላቱ ክሕለወሉ፡ ብሕገመንግስታዊ ስርዓት ክመሓደር፡ ዝመርሕዎ ሰባት ዘደይበሉን ዘውርደሉን ዲሞክራስያዊ፡  ትካላትን ኣሰራርሓን ክህልዎ ድሌቱ እዩ። ነብሱ ክኢሉ ሃገሩ ዘዕብየሉን ጸጋ ሃገሩ ብማዕረ ንኹሎም ዜጋታት ዝመቓረሓሉን ቁጠባዊ ፖሊሲ ክትልም  ይደሊ። ዘይተገደበ መሰል እምነት፡ ሓሳባካ ምግላጽን ምውዳብን ከረጋገጸሉ ይደልን ይብህግን። ባህግን ድሌትን ጥራይ ዘይኮነ እቲ ዘካየዶ ነዊሕን መሪርን ቃልሱ እውን ምእንቲ እዚ እዩ ነይሩ። እቲ ሎሚ ዘካይዶ ዘሎ ቃልሲ እውን ምእንቲ እዚ እዩ። ብኣንጻሩ ኢሳያስ ኮነ ኢሉ ኣንጻር እዚ ዝተዘርዘረ ድሌት ህዝቢ ኤርትራ እዩ ክሰርሕ ዝጸንሐን ዘሎን። ኢሳያስ ጸረ ዲሞክራስን ልዕልና ሕግን ጥራይ ኣይኮነን። ኣብ ግሁድ ብቕትለት ዝተሰነየ ኣእዳዉ ብደም ዝተሓጽበ ዕሉል ገበነኛ እዩ። እዚ ተግባሩ ምስ ህዝቢ ኤርትራ ዘለዎ ዝምድና ክሳብ ክንደይ “ሕቖን ከብድን” ብዝበሃል ደረጃ ርሕቀት ከም ዘለዎ ዘመልክት እዩ።

ምስዚ ኩሉ ውረድ ደይብ፡ እቲ  ህዝቢ ኤርትራ ኣንጻር ወጽዓ ዘስምዖ ዘሎ ጥርዓንን ዘካይዶ ዘሎ ቃልስን፡ ዋላውን በቶም ኣብ ሃሃገሮም ብዲሞክራስያዊ ትካላዊ ኣሰራርሓ ኢና ንመርሕ ዝብሉን ንመሰረታዊ መሰላት ህዝቢ ክሕለቑ ዝስምዑን ወገናት ክንድቲ ዝድለ ኣይተሰምዐን። እቲ ዝገደደ ከኣ ዋላውን ኣብ ሕገመንግስታቶም “ስልጣን ብዘይ ናይ ህዝቢ ናጻን ዲሞክራስያውን ምርጫ ኣይተሓዝን” ዝብል ዓንቀጻት ዘለዎም ነቲ ን30 ዓመታት ሕድሪ ህዝቢ ጠሊሙ ብዘይሕገመንግስቲ ብኢደወነኑ ኣብ ስልጣን ዝተኾደጨ ዲክታቶር ኢሳያስ ተዓሚቶም ከም መራሒ ኤርትራ ክፈልጥዎ እንከለዉ እዩ። እዚ እምበኣር፡ ነቲ ኣብ ሃገርና ዘሎ ኩነታት  ብድሕሪ መጋረጃ’ውን ሃሰስ ክንብሎ ዘገድደና እዩ። እዚ ክፍንፈን ዝግበኦ ዲክታተር መኻይዲ ክረክብ እንከሎ ከኣ “ንመን ኣለዎስ፡ መን ኣለዋ ኣላቶ” ዘብል እዩ።

ኢሳያስ ኣጋጣሚ ክረክብ እንከሎ፡ ኣብ ቅድሚ ህዝቢ ኤርትራ ዘሎ ግዕዘይ ምስሉ ንምዕራይን ኣብ ሃገሩ ዝሰኣኖ ደገፍ ካብ ግዳም ንምቕራም ሃንደፍደፍ ካብ ምባልን ንድሕሪት ዝብል ኣይኮነን። “ቀጽል” ዝብል ናይ ርሑቕ ደፋኢ ሓይሊ ዘለዎ ብዝመስል ኣገባብ፡ ንብዙሓት ብዘገረመ ሃንደበት ብ9 ሓምለ 2018 ምስቲ ኣብዚ እዋንዚ ነዊሕ ዕድመ ዘለዎ ረቂቕን ሕቡእን ርክብ ነይርዎም ዝበሃል ዘሎ፡ ቀዳማይ ሚኒስተር ኢትዮጵያ ናይ “ሰላም” ስምምዕ ከቲምና ኢሉ። ጌና እዚ ስምምዕ ቁሩብ ፍሑሕ ከይበለ ከኣ ካብ ብዙሓት ኣድብዮም ክከታተልዎ ዝጸንሑ ዝመስሉ ወገናት ዘይግበኦ ክነሱ “ናይ ሰላምን ልምዓትን ባእታ” ክበሃል ሰሚዕና። በዚ መጸ ዘይበሃል ካብ ዝተፈላለዩ መራሕቲ ሃገራት መዳልያታት ተዋሂብዎ። ሕሉፍ ሓሊፉ ኣብ ኢትዮጵያ ምስ ከደ “መጺእካለይዶ፡ ክጽበየካ” ተባሂሉ። ብህያብ እውን ዝተረፈ የለን። ካብ እንስሳ ዘቤት ክሳብ ባህላዊ ክዳውንትን ናይ ሓርበኝነት መለልይ ዋልታን ኩናትን ተዋሂብዎ። ናይ ቃል ኪዳን ካትም እውን ወድየምሉ። ኢሳያስ በዚ ዝተገብረሉ ኣቀባብላን ዝተዋህቦ ገጸ በረከትን ምስ ሰኸረ፡ ዘስምዖ ቃል ከኣ ካብ ሓደ ጥዑይ ተራ ሰብ እውን ዘይትጽበዮ ኮይኑ ንብዙሓት ኣደንጽዩ። እቲ ዘሕዝንን ኢሳያስ ናይ ኤርትራን ኤርትራውያንን ከም ዘይኮነ ዘረድአን ከኣ መደርኡ ደረት ሓሊፉስ ንኤርትራዊ ሃግርነትን ልኡላውነትን ኣብ ሓደጋ ዘውድቕ ምንባሩ እዩ። ኢሳያስ ምስዚ ኩሉ ጉያኡን ምልፍላፉን  ኣብቲ ዝተኻየደ ቁማር ብቀዳማይ ሚኒስተር ኢትዮጵያ ተበሊዑ፡ ወያ ክሳብ ሕጂ ኣብ ባይታ ትርጉም ዝሰኣነትን ተዛርብ ዘላን ናይ 2019  ናይ ሰላም ኖበል ሽልማት ናብ ኣዲስ ኣበባ ከይዳ።

ዝተፈላለዩ ኣብ ዞባ ቀይሕ ባሕሪ ጸብለል ክብሉ ዝወጠኑ ሓይልታት፡ ንኢሳያስ ኣብ ናይ የመንን ሊቢያን ውግኣት ተለኣኣኺ ቆጺረምዎ። መልእኽቱ ከዕውት ከኣ ላዕልን ታሕትን ኢሉ። ኣብ መሬት ኤርትራ ወተሃደራዊ መደበራት ንዝኸፈቱ መንግስታት መሬት ንከካሪ ንኤርትራውያን ኣመዛቢሉ። ኣብቲ መስርሕ ኣደዳ ስደት፡ ሞትን ድኽነትን ዝኾኑ ኤርትራውያን ብዙሓት እዮም። ዓስቢ ናይዚ ከኣ ዶላራት ሓቒፉ። እዞም ንኢሳያስ “እፍእፍ” ዝበልዎ ወግናት፡ ጉዳዮም ምስ  ኣብ ቀይሕ ባሕሪ  ጸላዊ ክሳዳዊ ኣቀማምጣ ዘለዋ ኤርትራ እምበር ምስ ህዝባ ከምዘይኮነ በሪሁ እዩ። ነቲ ቀደም ገዛእቲ “ኤርትራ መሬታ’ምበር ህዝባ ኣየድልየናን’ዩ” ዝብልዎ ዝነበሩ ዘኪርካ ከኣ ታሪኽ መልክዑን ተዋሳእቱን ቀይሩ ንገዛእ ርእሱ ይደግም  ኣሎ ዘየብል ኣይኮነን።

እዚ ተረኽቦ ህዝቢ ኤርትራ ህልውናኡ ብቀንዱ ኣብ ኢዱ እምበር፡ ካብ ካልኦት ዝጽበዮ ከምዘይኮነ ዘረድእ እዩ። እዞም  ንኤርትራ ኣብ ረብሓኦም ከውዕልዋ ዝሓልሙ፡ እቲ ዋኒን ህዝቢ ዘይዋኒኑ ኢሳያስ ኣብ ስልጣን ክጸንሕ ስለ ዝደልይዎ፡ “ኣንታ ንበረልና” ክብልዎ ናይ ግድን እዩ። ስለዚ እቲ ኣብ ቅድሜና ዘሎ ብደሆ፡ ኤርትራ ኣብ ኢድ ንጉዳይ ህዝባ ኣብ ቅድሚት ዝሰርዕ ኣካል ከም እትኣቱ ምግባር እዩ።  እቲ ተተሓሒዝናዮ ዘለና ልኡላውነት ኣውሒስና ዲሞክራስያዊ ምምሕዳር ናይ ምስራጽ ቃልሲ ኣንጻር ጉጅለ ኢሳያስ ጥራይ ዘይኮነ፡ እንተላይ ኣንጻርቶም ብመንገዲ ኢሳያስ ኣብ ኤርትራ ከባብያዊ ረብሓኦም ከረጋግጹ ህርድግ ዝብሉ ብድሕሪ መጋረጃ ዘለዉ መወልቱ ምዃኑ ክንርዳእ ይግበኣና። ምናልባት እውን መን ይፈልጥ ረብሓኦም ንክሕልዉ እቲ ዲክታተር ብዝኸፍቶ ኣፍደገ ብግሉጽ ክጐብጡና ይሓልሙ ይኾኑ።

 ኢሳያስ ቀጻልነቱ ኣብ ኤርትራ ውሑስ ንክኸውን ከባቢና በቲ ናቱ ዘይጥዑይ ንፋስ  ክእዕብለኽ ካብ ምጽዓር ንድሕሪት ከምዘይብል ምግንዛብ የድሊ። ናብ ሶማል፡ ኢትዮጵያን ሱዳንን ዝገብሮ ዘሎ ተደጋጋሚ መገሻታት ካብዚ ሓሊፉ ህዝቢ ዝረብሓሉ ተልእኾ የብሉን። ኣብ ውሽጣዊ ጉዳይ ሱዳን ኣትዩ ኣብ ምብራቓዊ ክፍሊ እታ ሃገር ዝኣጉዶ ዘሎ ሓዊ፡ ኣብ ውሽጣዊ ጉዳይ ኣትዮጵያ ኣትዩ ኣብ ጉዳይ ትግራይ ዝወሰዶ ዘይሓላፍነታዊ መርገጽ ከኣ ናይዚ ኣብነት እዩ። 

ስለዚ ንሕና ኣብዚ ነካይዶ ዘለና ናይ ለውጢ ቃልሲ፡ ኣብ ቅድሜና ዘሎ ዕንቅፋታት ንምጽራግ፡ ኢሳያስን ውሑዳት ኤርትራውያን ደቂ መዛምርቱን ጥራይ ዘይኮነ፡ ንተላይ ነቶም ብድሕሪ መጋረጃ “ኣንታ ንበረልና” ዝብልዎ ዘለዉ ናይ ቀረባን ርሑቕን መንደልሓቕቲ’ውን ኣርሒቕና ብምጥማት ኣብ ግምት ከነእትዎም ይግበኣና።

ርእሰ-ዓንቀጽ ሰዲህኤ

ኤርትራን ህዝባን፡ መሰልካ ኣሕሊፍካ  ብዘይምሃብ፡ ከፋፊሎም ከዳኽሙኻ ንዝህቅኑ ገዛእትን ወጻዕትን  ብዘይምንብርካኽ፡ ኣብ መስርሕ መሪር ቃልሲ ምእንቲ ናጽነትን ልኡላውነትን ከጋጥሙ ብዝኽእሉ ውረድ ደይብን ብደሆታትን ንድሕሪት  ብዘይምምላስ እዮም ክሳብ ሕጂ ከም ናይ ጽንዓት ኣብነት ዝግለጹ። እዚ ሎሚ ኣብ ልኡላዊ ሃገርነትና ዝወላወልን ህዝባዊ ክብርና ከህስስ ዝህቅንን ዘሎ ስሱዕ ጉጅለ ህግዲፍ ግና፡ ናይ ኣተሓሳስባ ብዙሕነት ዘይጸውር፡ ንናይ ርኢቶ ፍልልይ ንምጽባብ ዘይኮነ፡ ንምርሕሓቕ ኣጋዲዱ ውልቃውነት ከዕቢ ዝሕልን እዩ።

ጉጅለ ህግዲፍ ዕድመ ስልጣኑ ንምንዋሕ  ኣብ ኩሉ ዝወዓሎን ከም ኣጀንዳ ሒዙ ዝዓሞን ቅልውላው ክፈጥር እንተዘይኮይኑ: ካብ ናቱ ንዝተፈልየ ንሃገርን ህዝብን ዝጠቀም ኣተሓሳስባ ኣፍልጦ ዝህብ ባህሪ የብሉን። ኣፍልጦ ዘይምሃብ ጥራይ ዘይኮነ፡ ካብ ገጽ ምድሪ ከጥፍኦ ከይደቀሰ ዝሓድር ብዛዕባ ምዃኑ፡ ኣይኮነንዶ ንዓና ነቶም ከነወግዶ  ኣብ መስርሕ ቃልሲ ዘለና፡ ንኻለኦት ብማዕዶ ዝርእይዎ’ውን ከም ሓድሽ ተረኽቦ ተወሲዱ ዝዝረበሉ ኣይኮነን። ህግዲፍ ዘይክእሎ ክነሱ፡ ካብ ናቱ ዝተፈልየ ኣተሓሳስባን ሓሰብቱን ንምጥፋእ፡ ከንቱ ፈተነ ካብ ምክያድ ዓዲ ኣይውዕልን። እቲ ነዚ ከንቱ ህርፋኑ ኣብ ግብሪ ንምውዓል ዝጥቀሞ ሜላታት ከኣ፡ ነቶም ነቲ ዘፍርሖ ኣተሓሳስባ የንቅዱን የስርጹን እዮም ንዝብሎም ወገናት፡ ብእኩብን ብውልቅን፡ ብጋህድን ብስዉርን ምእሳር፡ ምስዋርን ምቕታልን እዮም። ኩሎም እዞም ጨካናት ናይ ህግዲፍ ኣተሓሳስባ ናይ ምቕታል ስጉምትታት፡ ድሑራት፡ ግዜ ዝሓለፎምን ብዙሓት ዲክታቶራት ፈቲነምዎም ካብ ዘይተርፍ ውድቀት ዘየድሓንዎምን እዮም።

ጉጅለ ህግዲፍ “ኣለኹ” ንምባልን ናቱ ጸረ-ህዝቢ ኣተሓሳስባ ብዘይውድድር ንምስራጽን ዘካይዶ ምንቅስቓስ ኣብ ናይ ብዙሓት ፍሹላት ተመኩሮ ዝተራእየ እዩ።  ናይ ኣተሓሳስባ ልዕልና ንምድላብ ዝግበር ቃልሲ፡ ሃናጽን ናብ ዝለዓለ ብቕዓት ዝድይብን ንክኸውን፡ ኣብ ትሕቲ ናይ ሓልዮት፡ ምጽውዋርን ምክእኣልን መስርሕ ዘጽልል፡ ሕጋውን ሰላማውን ውድድር ዝተሰረተ ክኸውን እንከሎ ጥራይ እዩ። ነዚ ኣብ ዝጸውር ናይ ውድድር  ሜዳ ክትጻወት ምኽኣልን ዘይምኽእል ከኣ ኣገዳሲ ናይ ፖለቲካዊ ብቕዓትን ህዝባዊ ተቐባልነትን መምዘኒ እዩ። ጉጅለ ህግዲፍ ኣብ ከምዚ ዓይነት ሓላፍነታዊ ፖለቲካዊ መስርሕ ምውሳእ ዘኽእል ብቕዓት ኮነ ባህሪ ከም ዘየብሉ ባዕሉ ብብዙሓት ግብራዊ ኣብነታት ኣመስኪሩ እዩ። እቲ ሎሚ ዝኸዶ ዘሎ ጸቢብን ኣግላልን ናይ ጥልመት ጉዕዞ ከኣ፡ ካብ ሓዲዳ ብዝወጸት ባብሩ ዝምሰል፡ ናይ ሓጐጽጐጽን “ዝወለደት ትውለድን” መንገዲ ኮይኑ፡ መንግዲ ጠፊእዎ ነቲ ሓደ እንዳልዓለ መሊሱ ዝሓዞ እንዳደርበየ  ብዘዕገርግር ውልቀሰብ ዝዝወር ዘሎ  እዩ።

እዚ ንዛረበሉ ዘለና ጉጅለ ግብሩ ስለ ዝፈልጥ እሞ ካብ ናቱ ብዝተፈልየ ዝሓስብ ኣብ ኤርትራ ክህሉ ኣዝዩ ስለ ዘስገኦን፡ “ጸቢብ ጉጅላወነትን ጸረ ህዝቢ ምምሕዳርን ይተኣረም፡ ጉዳይ ሃገርን ህዝብን ንቡር ሕገመንግስታዊ መልክዑ ይሓዝ፡ ብናይ ክሳብ ሕጂ ተሓሳሲብና ንቕድሚት ነማዕዱ” ንዝበሉ ኣባላት ጉጅለ 15ን ሕያሎ ደገፍቶምን ኣሲሩ። ካብቲ ኢሳያስ ዝደልዮ ኣተሓሳስባ ብዝተፈልየ ስለ ዝሓሰቡ ጥራይ ምእሳር ብዞም ናይ 18 መስከረም 2001 ግዳያት ከም ዘይተጀመረ ከኣ ኣብ ግምት ክኣትው ዝግበኦ እዩ።  

“ህዝቢ ኤርትራ ብዛዕባ ሃገሩ፡ መነባብሮኡ፡ መጻኢ ዕድሉ፡ ከባቢኡን ዓለምን ካብቲ ናይ ጋዜጣ ሓዳስ ኤርትራን ሬድዮ ድምጺ ሓፋሽን ዝተፈልየ መማረጺ ሓበሬታ ናይ ምርካብ መሰል ክህልዎ ይግበእ” ካብ ዝብል ሓልዮት ሙያዊ ግቡኣቶም ክፍጽሙ ንዝተበገሱ መንእሰያት ናይ ብሕቲ ሚድያ ጋዜጠኛታትን ጸሓፍትን ኣሲሩ፡ ነተን ህዝቢ ክሃርፈን ጀሚሩ  ዘነበረ ዘይመንግስታዊ  ጋዜጣታት ከኣ ኣጊድወን። ናይዚ ኩሉ ስጉምትታት መንቀሊ ከኣ ፍርሒ ዝፈጠሮ  ዝተፈልየ ኣተሓሳስባ ናይ ንምድቋስ ሕማም እዩ።

መዓስ እዚ ጥራይ፡ ብናቶም ውሳነ፡ “እዚ እዩ እቲ ክንስዕቦ ዝግበኣና መንገዲ እምነት” ንዝበሉ ወገናት ሃይማኖታዊ ናጽነቶም ግሂሱ ኣሲርዎም። “ኣብዚአን ጥራይ እመኑ” ብዝብል ከኣ ውሱናት እምነታት ሰሊዑ። እቲ ኣዝዩ ዝገረም ከኣ መራሕቲ  ናይተን ዘፍቀደለን እምነታት እውን ግዳይ ማእስርትን ሞትን ካብ ምዃን ኣይደሓኑን። ኤርትራውያን ሰብ ጸጋ፡ ብሓባርን በብውልቅን “ኣብዚ መዳያትዚ እንተ ኣውፊርና ንዓና ተጠቒምና ህዝብናን ሃገርናን እውን ከነርብሕ ንኽእል ኢና” ካብ ዝብል ሃገር ናይ ምህናጽ ክቱር ፍቕርን ሓልዮትን “ብገንዘብና ከነልምዕ” ስለ ዝበሉ፡ ነታ ንህዝብና ካልእስ ይትረፍ ካብ ንሕብስቲ ኣብ መስርዕ ምሕዳር ዘየድሓነት፡ 09 እትበሃል ንግዳዊ ትካል ህግዲፍ ብዘይውድድር ንከህብትም  ዝእሰር ኣሲሩ ዝውረስ ወሪሱ በቲንዎም። ንሳቶም ከኣ ደም እንዳጠዓሞም ሎሚ ኣብ ናይሮቢ፡ ጁባ፡ ኣዲስ ኣበባ፡ ካምፕላ፡ ሉዋንዳን ካለኦት ጐረባብቲ ከትማታትን ገንዘቦም ኣፍሲሶም ኣብ ዝተፈላለዩ መዳያት ቁጠባ ዓዲ ጓና የልምዑ ኣለዉ። እዚ ከኣ ካልእ ናይ ህግዲፍ ኣተሓሳስባ ናይ ምቕታል ቀናእ ወስታ እዩ።

እቶም ኣብ ዝተፈላለዩ ዓውድታት ካብ ፖለቲካ ክሳብ ቁጠባ፡ ብዛዕባ መጻኢ ዕድል ኤርትራና ካብ ናይዚ ጉጅለ ብዝተፈልየ ዝሓሰቡ ብዙሓት ኤርትራውያን  ኣብ ፈቐዶ ጐዳጉዲ ይሓቁ ኣለዉ። እንተኾነ ንሳቶም እምበር ኣተሓሳስባኦምስ ኣይተኣስረን።  ተመኩሮና ከም ዝምስክሮ፡ መስርሕ ቃልስና ካብ መግዛእቲ ናብ ናጽነትን ልኡላውነትን ዕንቅፋታት ተጻዊርካ፡ ንተጽዕኖ ልዕለ-ሓያላን ከይተረፈ በዲህካን ኣርሒቕካ ብምጥማትን እዩ ተዓዊቱ። ኣብቲ መስርሕ ጅግና ክሓልፍ እንከሎ፡ እቲ ጅግንነቱ ግና ሓቢሩ ዝመውት ዘይኮነ፡ በቲ “ቅሰን ኣነ ኣለኹ ተቐባሊ ሕድሪ” ዝብል ተካኢ ጅግና እዩ ዝውረስ ነይሩ።

እቲ ሰንሰለታዊ መስርሕ ምውርራስ ጽንዓትን ኣተሓሳስባን ሎሚ’ውን ቀጺሉ፡ ልኡላዊት ኤርትራ ምስ ኩሉ ጸገማታ “ኣለኹ” ትብለና ኣላ። እቲ በዚ ተጣላዒ ጉጅለ ሰባት ኣሲርካን ቀቲልካን ነቲ ህዝቢ ዝማእከሉ ኣተሓሳስባኦም ንምብራስ ዝህቀን ዘሎ ከኣ በቲ ኣብ ተመኩሮና ብግብሪ ዝተመስከረ ናይ ሕድሪ ምቅብባል ህያው እዩ። እቲ ኣብ ዝተፈላለዩ መድረኻት ንከታተሎ ዘለና ድምጺ ደቂቶም ግዳያት ማእሰትን ሞትን ከኣ ነዚ ዘረጋግጽ እዩ። እቲ “ኤርትራና ሕገመንግስታዊት፡ ብዙሕነታዊት፡ ዲሞክራስያዊት፡ ሰላማዊትን ልምዕትን ክትከውያን” ዝበል ንድሕሪት ዘይምለስ ኣተሓሳስባ፡ ሰባት ብምእሳር ዝቕህም ዘይኮነ፡ እቲ ሓደ እንተ ወደቐ እቲ ካልእ እንዳተንሰአ ክሳብ ዓወት ክቕጽል እዩ። ምኽንያቱ “ሓሳባይ እንተሓለፈ፡ ኣተሓሳስባኡ ግና  ህያው”  ስለ ዝኾነ።

ርእሰ-ዓንቀጽ ሰዲህኤ

ጥልመት፡ ክሕደት፡ ቅትለትን ወጽዓን ህግዲፍ ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ኤርትራ ብዙሕ መልከዓትን ናይ ነዊሕ ግዜ ታሪኽን ዘለዎ ምዃኑ ብሩህ እዩ። እቲ ኣብ ልዕሊ ህዝብና ዝፍጸም በደል መዓስን ብኸመይን ተጀሚሩ ዝተፈላለዩ ወገናት ነናቶም መዕቀንን መበገስን ክህልዎም ይኽእል። እቲ ኩልና እንሰማመዓሉ ግና ሎሚ እውን እዚ ወጽዓ እንዳገደደ እምበር እንዳሓሸ ይኸይድ ዘይምህላዉ እዩ። እዚ ጉጅለ  ጸረ ህዝቢ ተግባሩ ተነጊርዎ ዘእረም ዘይኮነ፡ እኳደኣ ካብ ባህርያቱ ዝነቐለ ን“ባህ ኣይበሎ” ስልትታት እንዳቀያየረን ኣጋጣምታት እንዳፈጠረን ጌጋታቱ ዝደግምን ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ዘለዎ ጽልኢ  ዘሳዕርርን እዩ።

እዚ ንኤርትራ ዘመሓድር ዘይኮነ “ዝገዝእ” ዘሎ ህግዲፍ፡ ህዝቢ ዝብድለሉ ኣገባብ ከምዚ’ዩ ኢልካ ካብ ምዝርዛር “ ኩሉ ተግባራቱ ጸረ ህዝቢ እዩ” ኢልካ ምድምዳም እዩ ዝቐልል። በደላቱ ኣብታ ከይፈተወት ሕድሪ ደቃ ጠሊሙ ዘሳቕያ ዘሎ ሃገርና ኤርትራ ዝድረት ዘይኮነ፡ ኣብ ኩሉ ኤርትራውያን ዘለዉዎ ኩርነዓት  ክረአ ዝጸንሐን ዘሎን እዩ። ብዙሓት ኣብ ሃገሮም ብሓፈሻ ማሕበራዊ ሕቶኦም፡ ብፍላይ ከኣ ናይ ሕክምና ጸገሞም ዝምልሰሎም ዝሰኣኑ ኤርትራውያን ህይወቶም ንምድሓን ናብ ዝተፈላለያ ናይ ርሑቕን ቀረባን ሃገራት ክገሹ ክግደዱ ጸኒሖም እዮም። ኣብ ገዛእ ዓዶም ኣብ ወጻኢ ንዝነብሩ ደቆም ናብ መርዓን መዓርግን ክበጽሑ ስለ ዘይከኣሉ፡ ደቆም ከምስሉ ናብ ጐረባብቲ ሃገራት ክገሹ ዝጸንሑ ኤርትራውያን ሒደት ኣይኮኑን። ብሰንኪ ንምምሕዳር ህግዲፍ ራሕሪሖም ምስዳዶምን ኣብ ዓዲ ስደቶም “ናይ ጣዕሳ ቀጥዒ” ዘይምኽታሞምን ናብ ዓዶም ክኣትዉ ዘይክእሉ መንእሰያት ዝናፈቕዎም ቤተሰቦም ክርእዩ ኣብ ጐረባብቲ ሃገራት ክራኸቡ ዝግደዱ እውን ኣለዉ። ብፍላይ ከኣ ምስቲ ውሱን ዓቕሞም መብዛሕተኦም ኤርትራውያን ናብተን ብኣየርን ብመሬትን ብቕሉዕ ድዩ ብምስጢር ክኣትዉወን ዝኽእሉ ሱዳንን ኢትዮጵያን እዮም ዝያዳ ክገሹ ጸኒሖም። እቶም ኣብ ዝተፈላለየ ኩርነዓት ዓለም ዝነብሩ እሞ ዝናፈቕዎም ቤተሰብ ክርእዩ፡ ወይ ዝሓመመ ከሕክሙ ዝደልዩ፡ እንተኾነ ናብቲ ዘለዉዎ ሃገር ናይ ምውሳዶም ዓቕምን ፈቓድን ዘየብሎም እውን ናብዘን ሃገራት እዮም ዝመጽዎም።

ብዙሓት፡ እዚ ንዓልምና ዘሸበረ  ጌና ሎሚ’ውን ናህሩ ዘይነከየ ኮቪድ-19 ከይተጋህደ እንከሎ፡ ገሊኦም ብመኪና ገሊኦም ከኣ ብነፋሪት ንዝተፈላለየ ማሕበራዊ ዕማም ዝገሹ ኤርትራውያን፡ ጉዳዮም ወዲኦም ናብ ሃገሮም ክምለሱ ቅሩባት ክነሶም፡ ህግዲፍ ነቲ ቫይረስ ኣመኽንዩ ስለ ዘይፈቐደሎም፡ ኣብ ዓዲ ጓና ኣብ ከቢድ ስቓይ ይነብሩ ኣለዉ። በዚ መሰረት ከኣ ብስእነት መጽለሊ ኣባይቲ፡ መግብን ካልእ መሰረታዊ ነገራትን ኣብ ዝለዓለ ጸገም ወዲቖም ኣለዉ። “ቀልጢፍና ክንምለስ ኢና” ኢሎም ኣብ ዓዲ ምስ ዝገደፍዎም እሞ ተዓጽዮም ዘለዉ ቤተሰቦም  ኣብ ዓሚቕ ናፍቖትን ሻቕሎትን ወዲቖም። ምስተመለስና ክንዓሞ ኢና ዝበልዎ መደባቶምን ናይ ክረምቲ ሕርሻን ኩሉ በዂሩ። ናይዚ ብኩራት ሳዕቤን ከኣ ንመጻኢ እውን ቁጠባዊ ስንብራቱ ቀሊል ኣይክኸውንን እዩ። ወለዶም ወይ ካልእ ኣባል ቤተሰቦም ንዝተፈላለዩ ምኽንያታት ንውሱን ግዜ ናብዘን ጐረባብቲ ሃገራት ንክኸዱ ዘተባብዑን ወጻኢኦም ዝኸኣሉን ኣብ ወጻኢ ዝነብሩ ኤርትራውያን፡ ብሰንኪ ኮቮድ-19 ኣታዊኦም ኣዝዩ ስለ ዝነከየ፡ ብቐጻሊ ክናብይዎም ብዘይምኽኣሎም ኣብ ሻቕሎት ኣትዮም ኣለዉ።

ሓደ ናብ ጉጅለ ህግዲፍ ቅርበት ዘለዎ ከም ዝጠቐሶ፡ ኣብዚ እዋንዚ ኣብ ሱዳንን ኢትዮጵያንን ጥራይ ብድምር ልዕሊ 6 ሺሕ ኤርትራውያን ኣብተን ሃገራት ናብ ዘለዋ ኤምባስታት ምምሕዳር ህግዲፍ ከይዶም፡ ናይ “ናብ ዓድና ምለሱና” ጥርዓን የስምዑ ኣለዉ። ካብዞም በብግዜኡ ብተለፎን ረብሪቦም ብኣካል ናብተን ኤምባስታት ቀሪቦም “ምዕጻው ምዕጻዉስ ኣብ ዓድና ምስ ቤተሰብና ክንዕጾ መንገዲ ክፈቱልና” ዝብሉ ዘለዉ፡ ሓያሎ ኣብ ሕክምና ዘይተዓወቱ ወይ መሊሶም ዝተደግሱ፡ ብኮረር ዝብል መናብር (wheelchairs)  ዝሕገዙ ኣብ ዓድኻ ምቕባር እምበር: ካልእ ትጽቢት ዘየብሎም ከም ዝርከብዎም ይገልጹ።

ጉጅለ ህግዲፍ ወትሩ ናይ ህዝቢ ጸገምዩ ዝምዝምዝ። እዞም ናብ ዓዶም ክምለሱ እሞ፡ ኣብ ዓዶም እንተ ንምሕዋይ እንተ ንሙማት  ዕድሎም ክርእዩ ዝህወኹ ዘለዉ ኣካላት፡ እቲ ጉጅለ ዝበሎም ካብ ምትግባር ካልእ ዕድል ከምዘይብሎም ይርዳእ እዩ። ህግዲፍ ነዚ ኣጨናቒ ኩነታቶም ናብ ገንዘባዊ ረብሕኡ ከውዕሎ ከም ዝሰርሕ ከኣ፡ ብመንጽርቲ ናይ ቅድሚ ሕጂ መጻዪ ተመኩሮኡ ሓድሽ ኣይኮነን። ኣብ ሓደ እዋን ልዕሊ ዕድመ ደቅኹም ብዘይፈቓድ መንግስቲ ናብ ስደት ኣምሪሖም ኢሉ ልዕሊ 50 ሺሕ ናቕፋ ዘኽፈለ ጉጅለ ምዃኑ እውን ዝዝንጋዕ ኣይኮነን። ኣብዚ እዋንዚ ከኣ እነሆ ብግብሪ  ነዞም ጽጉማት ካብቲ ቅድም ኣብ መንጎ ኣስመራን ካርቱምን ወይ ኣስመራን ኣዲስ ኣበባን  ንበጺሕካ ምምላስ ዝኽፈል ዝነበረ ዘይውሕድ ዓቐን ዶላር፡ ናብ ኣስመራ ንምምላስ ጥራይ ከኽፍል መዲቡ ኣሎ። ኣብ ርእሲ እዚ “ምስተመለስኩም ንዝተወሰነ ግዜ ኣብ ሆቴላት ክትጸንሑ ኢኹም” ብዝብል ነቲ ሆቴላት ዝኽፈል ገንዘብ ቅድሚ ምብጋሶም ምስ ህልዊ ኤርትራዊ ዓቕሚ ዘይመጣጠን ገንዘብ ከትሕዙ ናይ ምግዳዶም መደብ ከም ዘለዎ እቶም ነቲ ኩነታት ብቐረባ ዝከታተሉ ይሕብሩ ኣለዉ።

እዚ ኣካል ናይቲ ህግዲፍ ናይ ህዝቢ ጸገም መዝሚዙ መኽሰብ ንምእካብ ዘውጸኦ መደብ እዩ። ክሳብ ሕጂ ኣጽቂጡ ዝጸንሐ እውን ነዚ ተንኮልዚ ንምፍሓስ እዩ። ጉዳይ ህዝቡ ዘገድሶ ነይሩ እንተዝኸውን፡ በቲ ብዙሓት ሃገራት ኣብዚ ሕማቕ ግዜ ኣይኮነንዶ ንመገሻ ከይዶም ዝተዓግቱ፡ ኣብተን ሃገራት ነዊሕ ዓመታት ዝጸንሑ ዜጋታተን ብፍላይ ካብ ሃገራት ማእከላይ ምብራቕ ብመንግስታዊ ወጻኢ ናብ ሃገሮም ንምምላስን ኣብ ዓዶም እግሪ ንምትካልን ዝገብረኦ ብዘለዋ ጻዕሪ መቐንአ። ሓላፍነት ወሲዱ ነዚ ጉዳይ እንተዝግደሰሉን ናተይ ኢሉ እንተዝሕዞን ከኣ  ነዞም ኣብ ጸገም ወዲቖም ዘለዉ ኤርትራያውን ካብ ሱዳን ኮነ ካብ ኢትዮጵያ ብመካይን ናብተን ኣብ ዶባት ኤርትራ ዘለዋ ከተማታትን ነቁጣታትን መብጸሖም እሞ ኣብኡ እቲ ዝድለ ጥዕናዊ መርመራ እናተገብረ ነናብ ዓዶም ምተመልሱ።

እዚ ብህግዲፍ ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ኤርትራ ዝፍጸም ዘሎ ግፍዒ መልክዑ ቀይሩ ዝመጸ እምበር ብትሕዝቶኡ ሓድሽ ኣይኮነን። እንተኾነ “ሓድሽ ኣይኮነን” ኢልና ስቕ ኢልና እንሓልፎ ዘይኮነ፡ ከም ኣካል ናይቲ ከውርዶ ዝጸንሐ ግህሰት ሰብኣውን ዲሞክራስያውን መሰላት ክንቃለሶን ድምጽና ከነስመዓሉን ዝግበኣና እዩ። እዚ ሓላፍነት ናይቶም ቤተሰቦም ዝሳቐዩ ዘለዉ ውሱናት ወገናት ጥራይ ዘይኮነ፡ ናይ ኩልና ኤርትራውያን ግቡእ ስለ ዝኾነ ብሓባር ክንቃለሶን ከነቃለዖን ዝግበኣና እዩ።

ርእሰ-ዓንቀጽ ሰዲህኤ

ኤርትራ ንኹልና ኤርትራውያን ማዕረ እትብጸሓና ብ”ወላዲት ኣደና” እንምስላ ክብርና እያ። ኤርትራ ከምቲ ክትጉዳእን ክትደምን እንከላ፡ ኩልና ንጉዳእን ንደምን፡ ክርህዋን ክትቀስንን እንከላ ከኣ ንቐስን። ከምቲ ቅድም ኤርትራ ናጻን ልኡላዊትን ክትከውን ዝተቓለስናዮ ሎሚ ድማ ልኡላውነታን ክብሪ ህዝባን ዓቂባ ክትቅጽል ናይ ኩልና ኣበርክቶ ወሳኒ እዩ።

ካብኡ ናብኡ ግና ቅድም ኮነ ሎሚ፡ ግደ ናይቲ ካብ ብዝሒ ህዝብና ከባቢ 70% ዝኸውን ኤርትራዊ መንእሰይ ግደ ዝዓዘዘን መተካእታ ዘየብሉን እዩ። ግደ መንእሰይ ዝያዳ ካልኦት ክፍሊ ሕብረተ ሰብ ወሳኒ ዝኾነሉ፡ ንሕሉፍን መጻእን ኣራኺቡ ወለዶታት ዘቐጽል ድንድል ምዃኑ ሓደ ምኽንያት እዩ። እዚ ዕዙዝ ግደ መንእሰይ ኣብ ብዙሕ ተመኩሮታት ምህናጽ ሃገርን ምቕጻል ወለዶታትን ዝተራእየ ኮይኑ፡ ኣብ ኤርትራዊ ተመኩሮና ከኣ ናጻ ሃገር ንምውሓስ ኣብ ዝተኻየደ መሪርን ነዊሕን ቃልሲ ተመስኪሩ እዩ።

መንእሰይ ነዚ ከቢድን መተካእታ ዘየብሉን እጃም ዝወስድ፡ ነዚ ሓላፍነት ዝጸውር ዓቕሚ፡ ጉልበትን ውዑይ ስምዒት ዝውንን ብምዃኑ፡ ኣብ ህልውናን ቀጻልነትን ሃገር ግደኡ ስለ ዝዓዝዝ እዩ። ኣብዚ ዓቕሚ ንብሎ ዘለና ብጉልበትን ኣካላዊ ሓይልን ጥራይ ዝግለጽ ዘይኮነ፡  ሓድሽ ኣተሓሳስባን ዘመናውነትን ምውና እውን ኣብ ግምት ዘእተወ እዩ። ስለዚ ኢና ንእስነት በቲ ብተፈጥሮ ዝወሃብ ናይ ዕድመ ንኡስነት ጥራይ ዘይኮነ፡ ዝያዳ ብመንጽር ካብ ናይ ትማሊ ዝሓሸን ንህልዊ ኩነታት ገምጊሙ ኣብ ግምት ዘእትውን ናብ መጻኢ ዘማዕድው ካብ ጸቢብን ድሑርን ስምዒታት ዝነጽሀ ኣተሓሳስባ ብምውናን ዝምዘን እዩ።

ሓቀኛ ሃገር ናይ ምህናጽን ወለዶ ናይ ምቕጻልን እምነት ዘለዎ ስርዓት መንእሰይ እዩ ዝሃንጽ። መንእሰይ ምህናጽ ከኣ ኣብቲ ወሳኒ ናይ ምቕባል ዕድመኡ ትምህርትን ዝተፈላለዩ ክእለታትን ምስናቕ እዩ።  መንእሰይ’ውን ንገዛእ ርእሱ እንተዘይሃኒጹ ሃገር ክሃንጽ ከምዘይክእል ብምግንዛብ ነዚ ድልዊ ናይ ምዃን መባእታዊ ሓላፍነት ኣለዎ። መንእሰይ ሃገሩ ዝሀንጸሉ ዓቕሚ ካብ ኣብያተ-ትምህርትን መሰልጠኒ ማእከላትን ጥራይ ዘይኮነ፡ ካብቲ ሓላፍነት ዘረክቦ ትውልዲ እውን ክቐስሞ ከም ዝግበኦ ምግንዛብ የድልዮ። ምኽንያቱ ናይ ምቕጻል ሓላፍነቱ ካብ ባዶ ዝጅምር ዘይኮነ፡ ካብቲ ዝርከቦ ተመኩሮ ነቲ ክቕጽል ዘየድሊ እንዳ ኣወገደ ነቲ ሃናጺ ትሕዝቶኡ ከኣ ዝያዳ እንዳማዕበለ ዘተግብሮ እዩ። ካብዚ ሓሊፉ ነንዝሓለፈ ተመኩሮ ጥሪኡን ብሱሉን እንዳደርበየን እንዳነጸገን ሃገር ክሃንጽን ሰንሰለታዊ ምትኽኻእ ክዕቅብን ኣይክእልን እዩ።

ብኣንጻር’ዚ ሃገር ከዕኑን ህዝቢ ክብትንን ዝዓለመ ከም ህግዲፍ ዝኣመሰለ ስርዓት ምኽንያታት እንዳፈጠረን ተንኮል እንዳመሃዘን  ንግደ መንእሰይ’ዩ  ዘዕኑ። መንእሰይ ካብ ዝዓንወሉ ቀንዲ መንገዲ ከኣ ብኣንጻቲ ዝህነጸሉ መንእሰያዊ ግደኡ ክፍጽም ዘኽእሎ ዓቕምን ኣተሓሳስባን ከምዘየጥሪ ምግባሩ እዩ። ኣድህቦኡ ኣብ ክንዲ  ኣብ ብምብልሓት፡ ብኣፍልጦን ኣርሒቅካ ምርኣይን ናብ ዘይተሰነየ ብቕዓት፡ ናብ ጉልበትን ሓይልን ጥራይ ከም ዝኸውን ምድፋኡ እዩ። ኣተሓሳስቡኡ ማዕቢሉ ኣብ ቅድሚኡ ዘይብሩህ ጉዳይ ከጋጥሞ እንከሎ “ስለምንታይ?” ኢሉ ዘይሓትት “ንኺድ ጥራይ” ክበሃል እንከሎ፡ ናብ ህዝብን ሃገርን ዘርብሕ ዘይኮነ ናብ ዝተባህሎ ጥራይ ዝኸይድ ከም ዝኸውን ምግባሩ፡ መንእስይ መተካእታ ዘየብሉ ግደኡ ንከይፍጽም ዝመሃዝ ተንኮል እዩ።

ካብዚ ዝተጠቕሰ ክልተ ተጻራሪ ኣተሓሕዛ መንእሰይ ኣብ ሃገርና ዘሎ ኩነታት ኣየናዩ ምዃኑ ብሩህ እዩ። ኣብ ግዜ ህግዲፍ ሃገርና ዋላ ሓንቲ ዩኒቨርሲቲ የብላን። ካለኦት ኣብያተ-ትምህርቲ እውን፡ እቲ ጉጅለ ኮነ ኢሉ ብዝመሃዞ ዝተፈላለየ ተንኮላት መብዛሕትአን ዳርጋ ካብ ምስትምሃር ዓዲ ውዒለን ናብ ምዕጻው ገጸን ዝኸዳሉ ኩነታት ምዕዛብ ልሙድ እዩ። ኣብዚ እዋንዚ ምስ ናይ ኣየነይቲ ሃገር ተመኩሮ ከተዛምዶ ብዘጸግም፡ ኩሎም ናይ 2ይ ደረጃ ተመሃሮ ኣብ ሓንቲ ቤት ትምህርቲ ሳዋ ክመሃሩ ኣብ ዝግደድሉ እዋን ኢና ዘለና። እቲ ጸገም ኣብ ሓንቲ 2ይ ደረጃ ቤት ትምህርቲ ክመሃሩ ኢልካ ምእካቦም ጥራይ ዘይኮነ፡ ናይዛ መምሃራን ኮነ ካልእ እኹል መሳርሒ ዘየብላ ቤት ትምህርቲ ቀንዲ ዕማም መንእሰያት ፍልጠቶም ዘይኮነ፡ ናይ ጉልበት ዓቕሞም ዝምዘነላን ካብ ኤርትራዊ ክብርታት ክወጹ ዝደፋፍኡላን ምዃና እዩ። እዚ ኩሉ ደሚርካ ክምዘን እንከሎ ኣብ ምድኻም መንእሰይ ዝዓለመ ውዲት እዩ። ብፍላይ ኣብዚ እዋንዚ ተላባዒ ቫይረስ ኮሮና ኣብ ዘስገኣሉን ምርሕሓቕ ካብ ቀንዲ መፍትሕታት ሓደ ኣብ ዝኾነሉን ንመንእሰያት ኣብ ሓደ ቤት ትምርቲ ምእካቦምከ ምስ ምንታይ ይቑጸር?

ኣብዚ እዋንዚ ንሃገርና ኣጋጢምዋ ካብ ዘሎ ብደሆታት እቲ ቀንዲ ኣብ ልዕሊ መንእሰይ ዝወርድ ዘሎ ማህሰይቲ እዩ እንብል ካብዚ ኣቐዲሙ ዝተጠቕሰ ሓደጋታት ብምንቃል እዩ። ነጸብራቕ ናይዚ ሓደጋ ከኣ ኣብ ገጠር ኮነ ኣብ ከተማ፡ ኣብ ኩሉ ማሕበረ-ቁጠባዊ ጽፍሕታትን ድሕነት ሃገር ኣብ ምሕላውን ዝረአ ዘሎ ሓደጋ እዩ። ጉጅለ ህግዲፍ ነቲ  ሃገር ንምዕናውን ቀጻልነት ትውልዲ ንምቁራጽ ዘለዎ ኣዕናዊ ኣተሓሳስባ ከዕውት ኣብ ኤርትራ ጥራይ ከይተደረተ ናብቲ መንእሰይ ዝኸዶ እንዳሰዓበ ዝፈጥሮ ዘሎ ተንኮላት ክሳብ ክንደይ ንዕንወት ሃገርን ብርሰት ህዝብን ዘንቀደ ምዃኑ ዘመልክት እዩ።

ኤርትራዊ መንእሰይ ግና ከምቲ ህግዲፍ ዝወጠኖ ሕልናኡ ኣየውደቐን። ኣብ ዓዲ ኮነ ኣብ ወጻኢ ዘሎ መንእሰይ ንተንኮላት እቲ ጉጅለ ስዒሩ ነቲ መተካእታ ዘየብሉ ሃገር ናይ ምህናጽን ወለዶታት ናይ ምቕጻልን ግደኡ ክመልስ ጻዕሩ ቀጻሊ ኣሎ። “ኤርትራዊ መንእሰይ ኣብ ሃገሩ ተስፋ ቆሪጹ ምስተሰደ ኣይክምለስን እዩ” ዝብል ሕልሚ ህግዲፍ መኺኑ እዩ። መንእሰይ ስደት መሰረታዊ መፍትሒ ከም ዘይኮነን ካብ ቃልሲ ከም ዘየብኩርን ተገንዚቡ፡ ኣብ ዘዘለዎ ናይ ስደት ሃገር፡ ገሊኡ ኣብ ውድባትን ሰልፍታትን፡ ገሊኡ ኣብ ማሕበራትን ህዝባዊ ምልዕዓላት ተሰሪዑ ዘካይዶ ዘሎ ናይ ለውጢ ቃልሲ፡ ሕልሚ ህግዲፍ ሕልሚ ጥራይ ኮይኑ ከም ዝተረፈ ዘረድእ እዩ። ሎሚ ኣብ ሃገርን ካብ ሃገር ወጻእን ዘሎ ኤርትራዊ መንእሰይ በቲ ሓደ ወገን፡ መንእሰይን እቲ ነባር ተቓላሳይን ከኣ በቲ ካልእ ወገን  ብግቡእ ክናበቡ ምኽኣሎም ከኣ እቲ  ንጉጅለ ህግዲፍ ሕማም ርእሲ ኮይንዎ ዘሎ እዩ።

ሓድነት ሓይሊ ብዛዕባ ምዃኑ ንኹልና ንጹር እዩ። ኤርትራዊ መንእሰይ መርኣያ ህዝቢ ኤርትራ ብምዃኑ ኩሉቲ ኤርትራ እትውንኖ ብዙሕነት ምስኡ’ውን ኣሎ። መንእሰይና እቲ ቀንዲ መንእሰይ ዘብሎ ፈተና ክሓልፍ ከኣ፡ ብዙሕነቱ ዓቂቡ ሓድነቱ ከደልድል መተካእታ የብሉን። ካብቲ ካብ ዝሐለፈ ተመኩሮ ክመሃረሉ ዝግበኦ ዛዕባታት ከኣ ኣገዳስነት ሓድነት ቀንዲ እዩ። ሓድነቱ ዘይደልደለ መንእሰይ፡ መፍቶ ህግዲፍ ዝኸውን እምበር፡ መተካእታ ዘየብሉ ግደኡ ዝፍጽም ክኸውን ኣይክእልን እዩ።

ርእሰ-ዓንቀጽ ሰዲህኤ

ካብቶም ለንቅነ ኣብ ማሕበራዊ መራኸብታት ብዛዕባ ኤርትራ ክዝረቡ ዝቐነዩ ግና ብናይ ህግዲፍ መርበብ 03 ዝተማህዙ ከይኮኑ፡ ዕቱብን ደቂቕን ምጽራይ ዘድልዮም ወረታት፡ “ኣብ ዓድታት ካርንሽም ብዙሓት ስድራቤታት ተኣሲሮም ናብ ዘይተፈልጠ ሕቡእ ኣብያተ-ማእሰርቲ ተወሲዶም፡ ጠዓመ መቐለ ዝተባህለ ቀራን ኢደ በይዛ ሰለያ ዲክታቶር ኢሳያስ ኣፈወርቂ ተቐይዱ፡ ኤቨን ዘካርያስ ዝበሃል ኣብ ኤርትራ ንብዙሓት ደም ዘንበዐ፡ ኣብ ኣዲስ ኣበባ ሓሊባይ ሎጅ ብዝብል ትካል ተኸዊሉ  ክንቀሳቐስ ዝጸንሐ ተቐንጺሉ፡ መራሕ መኪና ኣንበሳደር ኤርትራ ኣብ ኢትዮጵያ ኣብ መኪናኡ ተቐቲሉ…” ዝብሉ ካብቶም ብዙሓት ናይ ህውከት እምበር ናይ ቅሳነት ዘይኮኑ ንፋሳት እዮም። ልዕሊ ኩሉ ከኣ “ተሳተፍቲ መበል 34 ዙርያ ናብ ሳዋ ክወርዱ ጀሚሮም” ዝብል  ኣብ መድረኽ ዘሎ በዓል ቅነ ኤርትራዊ ወረ እዩ። እዚ ዘየሕጉስ ወረታት ንኤርትራዊ ሃዋህው ኣብ ዝበከለሉ፡ ኣብ ጐረቤትና ትግራይ ግና ብኣንጻሩ “ትግራይ ትመርጽ” ብዝብል ጭረሖ ናይ ጽንዓትን ዲሞክራስያዊ መሰልካ ምጥቃምን መኸተ፡ ኣብ ዓበይቲ ማዕከናት  ጸላዊ  ዜና ኣብ ዝኾነሉ ህሞት ምዃኑ፡ ደላይ ሰላምን ለውጥን ኤርትራዊ ብቕዱስ ቅንኢ ሓሪኑ ንዝያዳ መኸተ ክዕጠቕ ዝጽውዕ እዩ።

እዚ ኩነታት፡ እቶም ኣብ ሓደ ታሪኻዊ ኣጋጣሚ ኣንጻር ናይ ሓባር ጸላኢኦም ስርዓት ደርጊ ሓቢሮም ብምቅላስ ናይ ሓባር ዓወት ዘመዝገቡ ህዝብታት ኤርትራን ትግራይን ሎሚ  ዘለዉዎ ሃለዋት ከነነጻጽር ዘገድደና እዩ። ውጽኢት ምንጽጻርና  ናበይ ከም ዝመርሓና ከኣ ፍሉጥ እዩ።  ህዝቢ ኤርትራ ብመንጽር ፖለቲካዊ ኣተሃላልዋ  ህዝቢ ትግራይ ኣብ ኣዝዩ ዝኸፈአ ደልሃመት ከም ዘሎ ክንቅበሎ እንቕሰብ ሓቂ እዩ። ሎሚ ንሃለዋት ህዝቢ ኤርትራ ዝምልከት ዝውረ ሕማቕ እምበር፡ ጽቡቕ ዛዕባ የለን።

እታ ኣብ ሓደ ታሪኻዊ ኣጋጣሚ ምእንቲ ሃገርን ህዝብን ዝብጀዉ ሓርበኛታት ብምምልማልን ምዕጣቕን ጽቡቕ ዝና ዝነበራ መደበር ታዕሊም ሩባ ሳዋ፡ ሎሚ ብሰንኪ ህግዲፍ ምስሊ ኤርትራውነት ዝድውን ዘይሰብኣውን ዘይዲሞክራስያውን ስርሒታት ዝፍጸመላ ገሃነም ኮይና ስለ ዘላ፡ ሳዋ ኣማን ብኣማን ክልተ ግዜ ተራእያ። ካብዚ ኣበሳዚ ወጺኣ ራህዋ ትርእየሉ ግዜ ከመጸላ  ከኣ ትጽበ ኣላ። እተን ገበን ጉጅለ ህግዲፍ ብዝለዓለ ደረጃ ዝፍጸመለን ዘይተዓደላ ቦታታት ኤርትራ፡ ዕራዒሮ፡ ናኹራ፡ እምባትካላ፡ ዓዲ ኣበይቶ፡ ምዕጢር፡ ዊዓ………ወዘተ እንዳበልካ እንተ ዘርዚርካየን ብዙሓት እየን።  ሳዋ ግና ናይ ወለዶታት ምትኽኻእ ኣብ ሓደጋ ዘእትወት ስለዝኾነት ዝገደደ እዩ። ምኽንያቱ እዛ ዘይኢዳ ዝረኸበት ሳዋ፡ ኤርትራዊ መንእሰይ ካብ ኩሉ መሰላት  ዝሕየረላ፡ ዝምድና ተመሃራይን ወለዱን ዝብተኸላ፡ ኤርትራዊ ባህላውን ሃይማኖታውን ክብርታት ዝበላሸወላ፡ ንጸቢብ ኣፍራሲ ህግዲፋዊ ጉጅለ ዘገልግል ጸይቂ ባህሊ ዝህንደሰላ፡ መንእሰያትን ትሕቲ ዕድመን ደቂ ኣንስትዮ ካብ ኤርትራዊ ባህሊ ወጻኢ ናይ ዝኾኑ ኣርሒቖም ዘይርእዩ ኣረመንየ ጉግማጉግ ዓለምቲ መጻወትን ከደምትን ዝኾነላ፡ መንእሰይ ተማሂሩን ሓዳር መስሪቱን ትውልዳዊ ሃገር ናይ ምቕጻል ሓላፍነቱ ከይፍጽም ዝዝረዓላን ኩሉ ጸልማት ምስ ኮኖ ናብ ስደት ዝነቕለላን ማእከል ገበን ኮይና ኣላ።

እዚ “ደቂ ሃገር ኢና” ብዝብሉ ኤርትራዊ ስነ-ምግባር ዝቐበጾም፡ ዘይወግሕ ዝመስሎም፡ ንድሕሪት እምበር ንቕድሚት ዘማዕዱ ቀልቢ ዝረሓቖምን ብግዝያዊ ጽሩራ ዝሰኸሩን ወገናት ኣብ ሳዋ ዝፍጸም ዘሎ ገበን፡ ሓደ መርኣያ ካብ ገበናት ጉጅለ ህግዲፍ እምበር፡ ንኹሉ ኣብ መዝነት ዘሎ ዝውክል ኣይኮነን ዝብል እምነት ኣለና። ኣብ ዝተፈላለዩ ኩርነዓት ሃገርና፡ ንዓሰርተታት ዓመታት እሱራት ተዓጽየሙለን ዘለዋ ኣብያተ-ማእሰርቲ፡ ነናተን ክብደት ገበን ኣለወን። ኣብ ሳዋ ዝፍጸም ዘይሰብኣዊ ገበናት ዘሕድሮ ሻቕሎት ኣብ ኤርትራዊ ክሊ ጥራይ ዝድረት ዘይኮነ፡ ሕብረተሰብ ዓለም እውን ህግዲፍ ካብ ከምዚ ዓይነት ኣብዚ ንርከበሉ መዋእል ከጋጥም ኢልካ ዘይትጽበዮ ባርነት ንክቑጠብ በብግዜኡ መጸዋዕታ ዘቕርበሉ ብሰንክቲ  ኣብ ሳዋ ዝትግበር ዘሎ “ደረት ግዜን ኣገልግሎትን ዘየብሉ” ግዱድ ዕስክርና እዩ። እዚ ኣብ ሳዋ ዝፍጸም ገበን ኣብ ቀልቢ ብዙሓት ኣገደስቲ ሳባትን ዘይመንግስታዊ ትካላትን ቆላሕታ ዝረኸበሉ ቀንዲ  ምኽንያት፡  ኤርትራውያን ኣብ ኩሉ ዝተሰደድሉ ኩርነዓት ዓለም፡ ጠንቂ ስደቶም እቲ ካብ ሳዋ ዝነቅል  “ደረት ዘየብሉን ኣገዳድን ዕስክርና” ምዃኑ ስለ ዝገልጹ እዩ።

ተመኩሮ ሳዋ ድሕሪ ናጽነት፡ ህግዲፍ ኣብ ልዕሊ መንእሰያትና ገበን ዝፈጸመሉ ጥራይ ዘይኮነ፡ ኣብ መወዳእታ መላኺ ኣተሓሳስባኡ ዝቕበረሉ ነቑጣ ክኸውን እዩ። ህግዲፍ ነቲ ዘይተርፍ  ስዕረቱ ንዘይምቕባል እዩ፡  ነቲ ሳዋ ዝመበቆሉ ግዱድን ደረት ዘየብሉን ወተሃደራዊ ፖሊሲኡ  ጠጠው ንከብል ዝቐርቦ ምሕጽንታ ዘይቅበሎ። ዝተፈላለዩ ኤርትራዊ ሓልዮት ዘንቀሎም ወገናት፡ ብቐንዱ ከኣ ባይቶ ሰብኣውን ዲሞክራስያውን መሰል ሕቡራት ሃገራት፡ ብተደጋጋሚ ከቐርብሉ ንዝጸንሑ ምሕጽንታታት’ውን፡ ዘይርትዓውን ዘይወድዓውን ትምክሕታዊ ምስምሳት ብምቕራብ ክነጽጎ ጸኒሑ። ሳዋ ኩሉቲ ሎሚ ኣብኣ ዝፍጸም ዘሎ ሰብኣውን ዲሞክራስያውን ግህሰታት ኣወጊድካ፡ ሃገር ኣብ ምክልኻልን ምህናጽን ዝነጥፍ፡ ክብሪ ህዝቢ ዘቐድም ብሕጋዊ ትካል ዝመሓደር ብቑዕ ዓቕሚ ኣብ ምፍጣር ዘትከለ ኣገባብ ጥራይ መንእሰይ ዝምልመለላ እንተትኸውን፥ ዓለም ኣይመኻዓበታን። ሰልፊ ዲሞክራሲ ህዝቢ ኤርትራ’ውን ነዚ ኣብ ግምት ብምእታው፡ ኣብ ፖለቲካዊ መደብ ዕዮና፡ ሃገራዊ ኣገልግሎት ብቅዋም ዝጸደቐ ናይ ግዜ ገደብ ዝህልዎ ዜጋታት ኣብ ውትህድርና ጥራይ ዘይኮነ ኣብ ዘዝመረጽዎ ዓይነት ሞያ ኣገልግሎት ዝህቡሉ ትካል ክኸውን ከምዝግባእ ይኣምን።” ብዝብል ዝሰፈረ ዓንቀጽ ኣለና።

ህዝቢ ኤርትራ ንመደባት ሳዋ ካብቲ ዝተበገሰሉ ጀሚሩ “ይኹን” ኢሉ ብዘይስኽፍታ ኣይተቐበሎን። ውጽኢት መስርሕ ፕሮጀክት ሳዋ ምስተራእየ እውን ክትቃወሞ እምበር፡ ክትድግፎ ዘተባብዕን ዘብህግን ኣይነበረን። ምዃን እኳ ኣብ ግዜ ህግዲፍ ዝንጸግ እምበር ተቐባልነት ዝረክብ ፍጻመ የለን።  ብፍላይ ኣብዚ ህዝብና ብምኽንያት ኮሮና ቫይረስ መተካእታ ኣብ ዘየብሉ ተዓጽዩ፡ ኣደዳ ጥምየትን ጽምእን ዝኾነሉ ዘሎ እዋን፡ መንእሰያት ኣገዲድካ ናብ ሳዋ ምውሳድ ምስቲ እዋናውነቱ “ሳዋ፡ መዓስ እዩኸ ክርህዋ?” ንዝብል ሕቶ  ጽባሕ ዘይኮነ “ሎሚ” ዝብል መልሲ ክረክብ ዝግበኦ’ዩ።

ርእሰ-ዓንቀጽ ሰዲህኤ

“ጉጅለ ህግዲፍ ምስዚ ኩሉ፡ ሕገ-መግስታዊ ምምሕዳር፡ ህዝባዊ ምርጫ፡ ምኽባር ሰብኣውን ዲሞክራስያውን መሰል፡ ትካላላዊ ኣሰራርሓ፡ ልዕልና ሕጊ፡ ዝያዳ ኩሉ ከኣ ምዕቃብ ልኡላዊ ሃገር ዘይቕበልን ዘየኽብርን ክነሱ፡ ብምንታይ ተኣምርዩ ዳርጋ ን30 ዓመታት ኣብ መንግስታዊ ስልጣን ተኾዲጩ?” ዝብል ናይ ብዙሓት ሕቶ እዩ። እዚ ሕቶ ናይቶም ጉዳይ ኤርትራ ዘይዋኒኖም፡ ካብ ርሑቕ ዝዕዘብዎ ጥራይ ዘይኮነ፡ ናትና ናይቶም ሰብ ዋኒን እውን እዩ።

ንሕና እቶም ሰብ ጉዳይ ግና ሕቶ ጥራይ ዘይኮነ፡ ናይቲ ሕቶ መልሲ እውን ኣለና። መልስና “ዲክታተር ኢሳያስ ምስዚ ኩሉ ክፋኡ ንክንድዚ ዓመታት ዝኣክል ግዜ ኣብ ስልጣን ዝጸንሐን ዘሎን፡ ህዝቢ ኤርትራ ኣገናዕ ሕራይ ገበርካ ስለ ዝበሎ እዩ” ዝብል ከምዘይኮነ፡ ኣተሃላልዋና ንገዛእ ርእሱ ህያው መስካሪ እዩ። ባህጊ ናጻነት ህዝቢ ኤርትራ ክሳብ ክንደይ ሰማይ ዝዓረገ ከም ዝነበረ’ውን፡ ኣይኮነንዶ ንዓና ንኤርትራውያን ንህዝቢ ዓለም እውን ብሩህ ነይሩን እዩን። ህዝቢ ኤርትራ ምብሃግ ናጽነት ጥራይ ዘይኮነ ንህያውነት ባህጉ ዝኸፈሎ፡ ብደረጃ ግዜ፡ ንዋት ኮነ ክቡር ህይወት ክምዘን እንከሎ መወዳድርቲ የብሉን። ካብ መግዛእቲ ተቓሊሱ ናጻ ዝወጸ እሞ ክንዲ ህዝቢ ኤርትራ ዋጋ ዝኸፈለን ዝተጸመመን ህዝቢ የለን። ነዊሕ ግዜ ወሲድካ ኣዝዩ ክቡር ዋጋ ከፊልካ ንዘውሓስካዮ ልኡላውነት ፍሉይ ክብሪ ክትህቦን ከም ብሌን ዓይንኻ ክትሕልዎን ከኣ ግድን እዩ።

ኣብ መሪሕ ቦታ ደረጃ ቃልሲ ኮይኑ፡ ክንዲ ናጽነት ዝኣክል ክብደት ዝወሃቦ ኣኽሊል ንዘድፍኣልካ ኣካል ፍሉይ ግምት ምሃብ ንቡር እዩ። ኣብ ባህልና እውን “ንዝገብረልካ ወይ ግበረሉ ወይ ንገረሉ” እዩ ዝበሃል። ህዝቢ ኤርትራ ንግደ ኢሳያስን ደቂ መዛምርቱን ኣብ ምምራሕ ህዝባዊ ግንባር ሓርነት ኤርትራ ንዝነበሮም ቦታን ኣበርክቶን ዝሃቦ ክብደት ፍሉይ ምዃኑ ኣብ ብዙሕ መድረኻት ኣንጸባሪቕዎ እዩ። ነቲ ዝተረፈ ናይ ድሕሪ ናጽነት ቀጻሊ ኩለ-መዳያዊ ኤርትራዊ ረብሓን ቀጻልነትን ከውሕሱለይ እዮም ዝብል እምነት እውን ኣንቢርሉ ነይሩ። ህዝብና ምህናጽ ናይ ድሕሪ ናጽነት ኤርትራ ቀሊል ከም ዘይነበረ ተረዲኡ፡ ክንድቲ ቃልሲ ንናጽነት ዝወሰዶ 30 ዓመታትኳ እንተዘይኮነ፡ ናይቲ ቀዳማይ ምዕራፍ ቃልሲ ቁስሊ ኣሕዊኻ፡ መሰል ህዝባ እተኽብር ኤርትራ ናብ ምህናጽ ምስግጋር ግዜን ትዕግስትን ከም ዘድሊ እውን ኣብ ሕልና ህዝቢ ኤርትራ ዝነበረ እዩ። ጉጅለ ህግዲፍ ከኣ ብድሕሪ መጋረጃ ዲክታተርያዊ ባይታኡ እንዳጣጠሐ፡ ናብ ህዝቢ ኤርትራ በብግዜኡ  ናይ “ግዜን ዕድልን ሃቡና፡ ዓዲ ኣብ ባዶ ካዝና ኢና ተረኪብናያ፡ ካብ መግዛእቲ ዝወረስናዮ ዓንቃፊ ባህሊ ኣይሓወየን” ዝብሉ  ዕባራ ምኽንያት እዩ ዝስንዕ ነይሩ።

እቲ ካልእ ዲክታቶር ኢሳያስ ህዝቢ ንምድንጋር ዝጥቀመሉ ዝነበረ፡ ናይ ህዝቢ ኤርትራ ክደራረቡ ዘይግበኦም ጉዳያት ደዋዊስካ ናይ ምርዳእ ጸገም እዩ። በቲ ሓደ ወገን ሓደ ዘይጥዑይ ውድብን ህዝቢ ኤርትራን ምድውዋስ ተራእዩ። እቲ ኢሳያስ ቅድም ከም መሕብኢ ዝጥቀመሉ ዝነበረ፡ ሎሚ ግና ዝጠለሞ ጉጅለኡ እንተ ተተንኪፉ ኤርትራ ከም ሃገር ኣይክትህሉን እያ ዝብል ኣብ ልቢ ገለ ኤርትራውያን ቦታ ረኺቡ ነይሩ እዩ። ካብዚ ሓሊፉ ናጽነት ኤርትራ ብዝለዓለ ወሳኒ ተሳትፎ  ህዝብን ተወፋይነት ሰማእታቱን ዝተረጋገጸ ክነሱ፡ ንግደ  ዲክታተር ኢሳያስ ኣብዚ መስርሕ ልዕሊ ክኾኖ ዝግበኦ መጢጥካ ምቕራቡ ነቲ ዲክታተር ካብ ዘሻደንዎ ሓደ እዩ። እቲ ብግሩሃት “ወዲ ኣፎም ብሪየ ንሱ ኣንበሳ፡ ዓሻክሩ ነብሪየ” ዝተደረፈሉ ሎሚ ክትዝክሮ እንከለኻ ዘሕፍር እዋን’ውን ነይሩ’ዩ፡ ጥራሕ ኢልካ ዝሕለፍ ዘይኮነስ፡ ለካ ናብዚ ንምብጻሕ ዝጽረግ ዝነበረ ዘይተሓስበሉ ወፍሪ እዩ ነይሩ።

ህዝቢ ኤርትራ ኣብቲ ናይ መጀመርያ ዓመታት ድሕሪ ናጽነት፡ ኣብ ከምዚ ዝተጠቐሰ ናይ ትጽቢት ህሞት እንከሎ፡ እቲ ጉጅለ ደቂሱ ኣይሓደረን። ምናልባት ህዝቢ ኤርትራ ሓደ እዋን  እቲ ሓቂ ተረዲእዎ፡ “ናብ ናይ መሰል ምሕታት ኣተሓሳስባ ከይብርኽ”፡ ብዓንተብኡ መሕለውታ ውዲታት ካብ ምጽዋድ ዓዲ ኣይወዓለን። ሰባት ኣንጻሩ ኣፍ ኣውጺኦም ኣብ ምንቃፉ ከይበጽሑ፡ “ኣንጻረይ ይሓስቡ ከይህልዉ” እንዳበለ ይኣስር ምንባሩ ክሳብ ክንደይ ብንግሆኡ ካብ ህዝቢ ይፈርሕ ከም ዝነበረ ዘመልክት እዩ። ህዝቢ ኣብ ሕድሕዱ ከይተኣማምን እሞ ሓቢሩ ንከይለዓሎ ዝተፈላለዩ መልከዓት ዝነበሮ መርበባት ስለያ  ዘርጊሑ። ካብቲ እዋንቲ ጀሚሩ ኤርትራውያን “ሰብኣይን ሰበይትን ወይ ወላድን ውሉድን” ኣብ ዘይምትእምማን ደረጃ ምብጸሖም ተዓዚቡ “ኣቤት ሕማቕ ዘበን በጺሕና” ዝብል ዝነበረ ኤርትራዊ ብዙሕ እዩ። እዚ ኩነታትዚ ሎሚ እውን መልክዑ ደኣ ቀይሩ ይኸውን እምበር ብትሕዝቶኡስ ኣይተለወጠን። ምናልባት እውን ይገድድ ይህሉ።

እቲ ጉጅለ ሓሓሊፉ ካብ ተዓዘብቲ ንዝቐርበሉ ሕቶታት ዝህቦ ዝነበረ መልስታት፡ ዕዳጋ ወሪዱ ዓዳጋይ ምስ ሰኣነ፡ “ካብኡ ኣይትሕለፉ” ብዝብል ባህ ኣይበሎ፡ “ምርጫ ናይ ዲሞክራሲ መርኣያ ኣይኮነን፡ ዘጽደቕኩምዎ ሕገ መንግስቲ ኣገልግሎት ከይጀመረ ኣበርዒኑ እዩ፡ ብዘይሕገ-መንግስቲ ምምራሕ ኣባና ዝተጀምረ ኣይኮነን” ብኣኡ  ኣቢሉ ከኣ እነሆ መጀመርታኡ እምበር መዓርፎኡ ናብ ዘይፍለጥ መደናገሪ መንገዲ ይጐዓዝ።

ካብዚ ሓሊፉ እዚ ጉጅለ ኣቐድም ኣቢሉ፡ ኣታሃራሪፍካ ናይ ምድዕዓስ መንገዲ እውን ነይርዎ እዩ። ንሓንሳብ ኣብ ጥራይ ጐልጎል ንኤርትራ ከም ሲንጋፖር ክንገብራ ኢና ኢሉ ይሓልም። ንሓንሳብ ድማ ኣብ ዘይተጨበጠ ሓቂ ኤርትራ ካብኣተን ከም እትሕይል ኣምሲሉ ብምቕራብ፡ ምስተን ኣብ ኑክሌራዊ ደረጃ ዝበጸሓ ሃገራትን ዞባዊ ትካላትን ክጻረፍን ክወዳደርን ይውዕል ነይሩ። ኣብዚ ሓደ ዘገርም ዛንታ ክንጠቅስ።

ሓደ ኣብ ስርዓት ደርጊ ስልጣን ዝነበሮም ኤርትራዊ ድሕሪ ናጽነት ኣብ ጸጸራት ይእሰሩ። ሓደ ካብቶም ዝሕልዉዎም ዝነበሩ  ብናይ ኢሳያስ ሓሶት ዝሰኸረ እሞ እቶም ዝሕልዎም ዝነበረ  እሱር ምሁርን ፈላጥን ምዃኖም ዝተነግሮ፡ ”ኣቦይ እገለ ኣብዛ ዓለምናስ ከም ኤርትራ ዝኣመሰለ ሓያልን ሃብታምን ሃገርዶ ትህሉ?” ይብሎም። ወዮም ናይቲ ስኻር ጠንቂ ዝተረድኡ ኤርትራዊ እሱር ከኣ እቲ ሓላዊኦም ከሕጐስ እሞ ክተሓባበሮም ስለ ዝደለዩ፡ “እንድዒ ምናልባት ኣሜሪካ እምበር ንኤርትራ ትወዳደር ሃገር ዘላ ኣይመስለንን” ኢሎም መለስሉ። እቲ ወዲ ሓደ ድኻ ኤርትራዊ፡ ገርሂ ልቡ ወታደር ከኣ፡ እንዳተሓጐሰ ከደ  ዝብል ዘገርም ዛንታ ኣሎ። እዚ ኢሳያስ ከምቲ ዝተጸበዮ ደኣ ኣይኮነሉን እምበር ክሳብ ክንደይ ንህዝቢ ኤርትራ መጻወቲ ክገብሮ ይህቅን ከም ዝነበረ ዘርኢ እዩ። ሕጂ እውን ኣብ ናይ ምትእምማን ዘይኮነ፡ ኣብቲ ናይ ምድንጋርን ምትሕብባእን ቦታኡ ምህላዉ ከኣ “ኣመል ምስ መግነዝ” ዘብል’ዩ።

ርእሰ-ዓንቀጽ ሰዲህኤ

እነሆ ናብ መበል 59 ዓመት (1961-2020) ዝኽሪ ባሕቲ መስከረም ባሕቲ መኸተ በጺሕና። ኣይኮነንዶ ንከም ባሕቲ መስከረም ዝኣመሰለ ቀያሪ ታሪኻዊ ኣጋጣሚ;፡ ንካልእ ኣውንታዊ ተመኩሮ ዝተመዝገበሉ ኣጋጣምታት እውን ምምጓስን ሰናይ ምምናይን ልሙድ እዩ እሞ “ዮሃና እንኳዕ ናብዛ ታሪኻዊት ዕለት ባሕቲ መስከረም ኣብጸሓና” እናበልና ንኣብ ውሽጥን ወጻእን ዘሎ ህዝቢ ኤርትራ ሰናይ ትምኒትና ንገልጽ።

ባሕቲ መስከረም ቃልሲ ህዝቢ ኤርትራ ምእንቲ ምሉእ ናጽነት ዝተጀመረላ ዕለት ጥራይ ዘይኮነት፡ እቲ ተኸታታሊ ቃልሲ ናብ ሓድሽ ምዕራፍ ዝተሰጋገረላን እቲ ዝበለሐ ብረታዊ ኣገባብ ቃልሲ ዝተበሰረላን ሽግ ዓወት ዝወለዐትን እያ። ኣብቲ ብረታዊ ቃልሲ፡ ኣንጻር ብዓቕሙን ሓያል ዘራዩን ኣዝዩ ዝበልጸካ ኣካል፡ ኣይኮነንዶ ደፊርካ ክትጅምሮ ክትሓስቦ እውን ዘጸግመሉ ዝነበረ ኩነታት “ንናይ ጽባሕ ብርሃን፡ ናይ ሎሚ ጸልማት ተቓሊስካ ምስዓር።” ብዝብል ኒሕ ንዘበሰርዎ ጅግና ሓምድ እድሪስ ዓዋተ ዝመራሒኦም ጀጋኑና ዘለና ዘይሃስስ ክብሪ፡ ኣብዚ ኣጋጣሚ ምዝካሩ ኣዝዩ ኣገዳሲ እዩ እሞ “ክብርን ዘለኣለማዊ ዝኽርን ንዓኣቶም ይኹን።”

ከምቲ ዘይተጀመረ ኣይውዳእን እዩ ዝበሃልን፡ ሀንሪ ዎድስን ዎርዝ ሎንግ ፌለው ዝተባህለ ፈላጥ፡ “ምጅማር ዓብይ ብቕዓት እዩ፡ ዝጀመርካዮ ምፍጻም ከኣ ኣዝዩ ዝዓበየ ብቕዓት እዩ።” ዝበሎን እቶም ኣሰር ናይቶም ጀመርቲ ስዒቦም ሓደ እንዳወደቐ እቲ ካልእ እንዳተተከአ ብኣዝዩ ኩርኳሕ ዝመልኦ መንገዲ ተጓዒዞም፡ ክሳብ ብርሃን ናጽነትን ልኡላውነትን ኤርትራ ዘቐጸሉ፡ ህሉዋት ሓርበኛታትን ሰማእታትን ኤርትራ እውን ኣብዚ መበል 59 ዓመት ዝኽሪ ባሕቲ መስከረም ባሕቲ መኸተ ንዝክረሉ ዘለና ክምጐሱ ንቡር እዩ። በቲ ብሰንኪ ጥልመት ኢሳያስ ኣፈወርቂ ሕድሪ ጀጋኑና ብኸምቲ ዝተጸበይዎ ዘይምትግባሩ ከኣ ንሓዝን። ሓዘን መፍትሒ ስለ ዘይኮነ ከኣ፡ ዝተጠልመ ሕድሮም ናብ ቦታኡ ክንመልስ ዝጀመርናዮ ቃልሲ ክንቅጽሎ ምዃና ባሕቲ መስከረም ቃልና እነሕድሰላ ኣጋጣሚ እያ።

ዓመት መጸት ንባሕቲ መስከረም ክንዝክር እንከለና፡ ነቲ ዝሓለፈ፡ መሪርን ዝከኣል ዘይመስል ዝነበረ ዘኽኣለን ጉዕዞ ቃልሲ ከነቕልበሉኳ ንቡር እንተኾነ፡ ቀንዲ ጠመተናስ ናብዚ ዘለናሉ ሃለዋትን ዝጽበየና ዘሎ ዕድላትን ብደሆታትን እዩ ዝኸውን።  እዚ ማለት ነዚ ኣጋጣሚ ተጠቒምና ንዘለናሉ ኩነታት ብግቡእ ምምዛን፡ ካብዚ ሚዛን ነቒልና ከኣ መጻኢ ዕማማትና ምንጻርን ንምትግባሩ ዘይጥለም ቃል ምእታውን ዓቕሚ ምጥራይን እዩ። ምኽንያቱ ምትላም ብዘይተመጣጣኒ ተግባር ትርጉም ስለ ዘየብሉ።

ሃለዋትና ብመንጽርቲ ህዝቢ ኤርትራ ኣብ ኩሉ መዳያት ብጉጅለ ህግዲፍ ብፍላይ ከኣ ብውልቀ-መራሒኡ ዝወርዶ ዘሎ ኣደራዕ በቲ ሓደ ወገን፡ ብመንጽር ነዚ ኣብ ኤርትራ ዘሎ ወጽዓን በደልን ስዒርካ ናብ ሰናይ ዘበን ንምስጋር ዝግበር ዘሎ ናይ ለውጢ ቃልሲ ከኣ በቲ ካልእ ወገን ክድህሰስ ይግበኦ። ህልዊ ኩነታትና  ሓጺናዊ ኣርዑት ወጽዓ መግዛእቲ ህግዲፍ መሊሱ ዝተረረሉ፡ ቃልሲ ሓይልታት ለውጢ ከኣ ካብቲ ዝጸንሖ ዝያዳ ኣብ ዝበረኸሉ፡ ግና ከኣ ኣብቲ ክኾኖ ዝግበኦ ደረጃ ኣብ ዘይበጻሓሉ ምህላውና እዩ ዘርኢ። ስለዚ ቀንዲ ቆላሕታና ናብቲ ክሳብ ሕጂ ዘመዝገብናዮ ውጽኢት ዘይኮነ፡ ናብቲ ዝተርፈና ምምጥጣር ክኸውን ይግበኦ። ባሕቲ መስከረም ከኣ ንከምዚ ዝኣመሰለ ዓበይቲ ዕማማት ንምዕዋት  ቃልናን ቅርቡናትናን ደጊምና እነሕድሰላ ኣጋጣሚ እያ።

እዛ ናይ ሎም ዘበን ባሕቲ መስከረም፡ ባሕቲ መኸተ፡ ካብተን ካልኦት ናይ ድሕሪ ናጽነት ባሕቲ መስከረማት ፍሉይ ዝገብራ ኩነታት የንጸላሉ ኣሎ። እቲ መኸተ ፋይል ምእንቲ ናጽነትን ልኡላውነትን ኤርትራ ተዓጽዩ፡ ናይ ክብሪ ቦታኡ ሒዙ ኣሎ ኢልናዮ ዝነበርና፡ ብሰንኪ ህግዲፍ ሒዝዎ ዘሎ ናይ ዘርባዕባዕን ሓቢእዎ ዝጸንሐ ሸርሒ ንቕድሚት ምምጻእን ዳግማይ ከይክፈት ኣብ እንስከፈሉ ህሞት ምህላውና ፍሉይነት ኣለዋ። ከምቲ “ዘፋነኻዮ ጋሻስ ኣይመለስካ” ዝበሃል፡ ብሰንክቲ ኢሳያስ ሓቢእዎ ዝጸንሐ እኩይ ብልኡላውነት ኤርትራ ዝጣላዕ መዛግብ ውዲት ክግንጽል ምፍታኑ ብጉዳይ ልኡላውነት ኤርትራ ኣብ እንስከፈሉ እዋን ኢና ንመበል 59 ዓመት ባሕቲ መስከረም እንዝክራ ዘለና።

እዚ ከኣ ነቲ ለውጢ ናይ ምምጻእ ጸዓትና ከቢድን ተደራራብን ይገብሮ። እንተኾነ ዝያዳ ጽንዓትን ሓድነትን ደኣ ይሓተና እምበር፡ ሕዱር ተንኮል ኢሳያስን መዳኸርቱን ግብራዊ ኮይኑ፡ ዝተዓጽወ ፋይል ስዑራት ጸረ ናጽነት ኤርትራ ህይወት ክሰኩዕዩ ማለት ዘበት እዩ። ነዚ ተደራራቢ ብድሆታት ብተደራራቢ ትብዓትን ድልዱል ሓድነትን ከም እንብደሆ ዘመልክት ኣብ ቅድሜና ጋና ከነዕኩኾ ዝግበኣና ብሩህ ዕድላት ኣለና። ሓደ ካብቲ ዕድላት፡ ብሓፈሻ ብዝተፈላለዩ ደረጃ ውዳበታት ዝነጥፉ ዘለዉ ኤርትራዊ ሓይልታት ለውጢ፡ ብፍላይ ከኣ ምጥርናፍ ፖለቲካዊ ሓይልታት ኤርትራ፡ ካብ  ስምምዓት ኣብ ወረቐት ምኽታም ስምምዓት ሓሊፎም፡ ብግብሪ ዝዋስኡ ሓባራዊ ሓይልታት ዕማም ምምስራት ምብጸሖም ሓደ ካብ መግለጽታት መጻኢ ዕድል ህዝቢ ኤርትራ ብሩህ ምህላዉ እዩ። ብዓቢኡ ከኣ ህዝቢ ኤርትራ ድሕሪ ሕጂ ብናይ ህግዲፍ ናይ ሓሶት ስብከት  ኣብ ዘይታለለሉ ደረጃ በጺሑ ምህላዉ ካልእ ኣብ ልዕሊ ጉጅለ ህግዲፍ ናይ ምዕዋትና ብሩህ ተስፋ እዩ።

 ከምቲ ኤርትራውያን፡ “ውሑዳትን ሰብ ውሱን ዓቕምን ክነስና፡ ንብዙሓትን ክሳብ ኣፍንጫኦም ዝተዓጥቁን ናይ ምስዓርና ምስጢር ሓድነትና እዩ” እንብሎ፡ ምስጢር መጻኢ ተዓዋትነትና’ውን ካብዚ ወጻኢ ኣይኮነን። ካብ ኢሳያስ ጀሚርካ ዘለዉ ናይ ርሑቕን ቀረባን ጸላእቲ ህዝቢ ኤርትራ እውን፡ ነዚ ምስጢር ዓወትና ስለ ዝፈልጥዎን  ዝፈርሕዎን ንዓና ከፋፊሎም ንምስጢር ዓወትና ትርጉም ከስእንዎ ካብ ምህቃን ዓዲ ከምዘይውዕሉ ንዕዘቦ ዘለና እዩ። እዚ ከተንበርክኾ ንእትደሊ ሓይሊ ከም ቅድመ-ኩነት ሓድነቱ ናይ ምድኻም ተንኮል፡ ኣባና ጥራይ ዝፍተን ዘይኮነ ኣብ ብዙሕ ኩርነዓት ዝረአ ዘሎ እዩ። ስለዚ ሎሚ ኣብዚ ታሪኻዊ ኣጋጣሚ “ነቲ ሕልሚ ባሕቲ መስከረም ኣብ ምግሃድ ወሳኒ ግደ ዝነበሮን ኣብ መጻኢ ናይ ቃልስን ዓወትን ጉዕዞና እውን ወሳኒ ቦታኡ ንዘይስገር ሓድነት፡ ልዕሊ ኩሉ ጠሚትና በትብዓትን ጽንዓትን ክንሰርሓሉ ናይ ግድን  እዩ።

ዘለኣለማዊ ዝኽርን ክብርን ንሰማእታት ኤርትራ!

30 ነሓሰ 2020