እቲ እገዳ ስማዊ ከይከውን

2021-08-26 07:50:52 Written by  ቤት ጽሕፈት ዜና ሰዲህኤ Published in EPDP Editorial Read 1612 times

ርእሰ-ዓንቀጽ ሰዲህኤ

ንጉጅለ ህግደፍ ዝጸልኦን ዘውግዞን ህዝቢ ኤርትራ ጥራይ ዘይኮነ፡ ኣብ ከባቢና እውን “ደሓን እቶ” ዝብሎ ከም ዘየብሉ ቅድሚ ሕጂ ግዜ ሂብና ዝገለጽናዮ እዩ። እቲ ጉጅለ እውን ከምኡ ከምዝኾነ ዘይስሕቶ እዩ። ህዝቢ ኤርትራ ንጉጅለ ህግደፍ  ዝጸልኦ ብዘይምኽንያት ኣይኮነን። ዋጋ መስዋእቱ ስለ ዝጠለሞ፡ ሕድሪ ስዉኣት ደቁ ስለ ዘየኽብር፡ ንህዝቢ ዝኣተዎ ቃል ስልጣኑ ምስ ኣጣጠሐ ኣይፈልጠካን ስለ ዝበሎ፡ ዝነበሮ ክብርን ሞጎስን ገፊፉ ኩሉ መሰላቱ ስለ ዝገሃሶ፡  ኮታ “መኒኻ በሃላይ” ዘየብሉ ብዘይ ሕገመንግስቲ  ብዓመጽን ምፍርራሕን ይገዝኦ ስለ ዘሎ እዩ። ቁጠዐ ህዝቢ ኤርትራ ኣንጻር ስርዓት ጉጅለ ህግደፍ ብጽልኢ ጥራይ ዝግለጽ ዘይኮነ፡ ነቲ ዝተጠልመ ኩለመዳያዊ መሰሉ ንምዕቃብ ብዝገብሮ ዘሎ ቃልሲ ውን ዝግለጽ ኢዩ።

ምስ ጐረባብቲ ሃገራት ዝገብሮ ምርጻማት ምስ እንርኢ እውን፡ ናብ ከምኡ ዝኣመሰለ ስጉምቲ ክኸይድ ዘገድድ ምኽንያት ኣብ ዘየብሉ፡ ንውሽጣዊ ኤርትራዊ ጉዳይ ኣብ ክንዲ ዘተኩር፡ ብደጋዊ ምህዞታት ሸፊኑ ኣድህቦ ህዝቢ ኤርትራ ንምጥምዛዝ በብግዜኡ ክምህዞ ዝጸንሐ ረጽምታት ከም ጻሕታሪ ሽግራት ከቑጽሮ ጸኒሑ ኢዩ። ሱዳን፡ ጅቡቲ የመንን ኢትዮጵያን ኣብ  ተመኩሮ ሸፋጢ ተግባራት ጉጅለ ህግደፍ ቅድሚት ዝስረዓ ግዳያት እየን። ኣህጉራዊ ሕብረተሰብ እውን ነዚ ብኣህጉራዊ ውዕላትን ስምምዓትን ዘይቅየድን ብጥሕሰት መሰላት ዝኽሰስን፡ ካብ መንግስቲ ክትብሎ በረኸኛ ምባሉ ዝቐልል ጉጅለ ኣይድግፎን እዩ። ክንድቲ ዘይድግፎ ምዃኑ ብተመጠጣኒ ደረጃ ዘይቀጽዖ ምዃኑ ግና ዘየገርም ኣይኮነን።

ርግጽ እዩ ቅድሚ ዓሰርተ ሓደ ዓመት ቤት ምኽሪ ጸጥታ ሕቡራት ሃገራት ኣብ ልዕሊ ጉጅለ ህግደፍ እገዳ ወሲኑ ምንባሩ ዝርሳዕ ኣይኮነን። እንተኾነ እቲ ንናይ ሽዑ እገዳ ከም ምኽንያት ኮይኑ ዝቐረበ፡ እቲ ጉጅለ ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ኤርትራ ብሰንኪ ዘውርዶ በደላትን ግህሰታትን ኣይነበረን። ብኣንጻሩ ሕቡራት መንግስታት ኣሜሪካን ካለኦት ሓያላት ሃገራትን ንምሕጽንተአን ነጺጉ ኣብ ጉዳይ ሶማልያ ንኣልሸባብ ብምድጋፍ ኢዱ ኣእትዩ ብዝብል እዩ እቲ እገዳ ነይሩ። እቲ ከምኡ ዓይነት ኢድ ኣእታውነት ንእገዳ ኣየቃልዖን ነይሩ ማለትኳ  እንተዘይተባህለ፡ እገዳ ክውሰኖ እንከሎ፡  ኤርትራዊ ዘቤታዊ ገበናቱ ብግቡእ ኣብ ግምት ዘይምእታዉ ግና ንብዙሓት ኤርትራውያን ኣዘራሪቡን ኣቖጢዑን ዝነበረ እዩ። እንተኾነ እቲ ዝርካቡ እውን እገዳ  ተባሂሉ እምበር ስለ ዘይተተግበረ ፋይዳ ኣይነበሮን። ጉጅለ ህግደፍ እውን እቲ እገዳ ካብ ክገብሮ ዝደለየ ስለ ዘየብኮሮ “ጸርፊ ክዳን ኣይቀድድን እዩ” ብዝዓይነቱ ኣሽካዕላል እዩ ወሲዱዎ። ደሓር ድማ ኣብቲ ዝነበረ ናይ 2018 “ምሕዳስ ዝምድና ኤርትራን ኢትዮጵያን” ናይ ዝተባህለ ተዋስኦ መድረኽ እቲ እገዳ  ብዘይፍረ ተላዒሉ።

ጉጅለ ህግደፍ ካብ ከምዚ ዓይነት ተመኩሮ ክመሃር ባህሪኡ ኣይፈቕደሉን እዩ። ከምኡ ስለ ዝኾነ ከኣ በቲ ኣብ ሶማሊያ ኢዱ ዘእተዎ እሞ ንስማዊ እገዳ ኣቃሊዕዎ ዝነበረ ኣይተማህረን። ብኣንጻሩ ብፈኸራን ብደዐን ብዝተሰነየ ኣብ ጉዳይ ኢትዮጵያ ኢዱ ኣእትዩ፡ ኣብቲ ኣብ ትግራይ ዝካየድ ዘሎ ውግእ መሪሕ ቦታ ሒዙ ይዋሳእ ኣሎ። ክሳብ ሕጂ ከኣ ኣብ ርእሲቲ ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ትግራይን ንብረቱን ዝፈጸሞ  ነውራም  በደላት ዓሰርተታ ኣሸሓት ኤርትራውያን መንእሰያት ከምዝሃለቐ’ውን ኣብ ብዙሕ ኣጋጣምታት ዝዝረበሉ ዘሎ እዩ።  ኣብ ከባቢ ጐንደርን ሑመራን  ይካየድ ኣብ  ዘሎ ውግኣት  ኤርትራውያን ወተሃደራት ተማሪኾም ዝብል ወረ ምስማዕ እውን ንቡር ኮይኑ ኣሎ። 

እገዳ ናይ ምውሳን ስልጣን ዘለወን ሃገራት ነናብ ረብሓአን ስለ ዘዳልዋ፡ ክሳብ ሎሚ ብደረጃ ቤት ምኽሪ ጸጥታ ሕቡራት ሃገራት ኣብ ልዕሊ ዲክታተር ኢሳያስን መጻምዱን መቕጻዕቲ ኣይወሰናን። ሕቡራት መንግስታት ኣሜሪካ ግና  ኣብ ልዕሊ መራሕቲ ጉጅለ ህግደፍን ፈደራላዊ መንግስቲ ኢትዮጵያን ዝርዝሩን ዕምቆቱን ንጹር ዘይኮነ ባይናዊ  ናይ ጉዕዞ እገዳ ወሲና ኣላ። ኣብዚ ቀረባ መዓልታት ከኣ ኣሜሪካ ሰራዊት ኤርትራ ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ትግራይን ንብረቱን ብዘብጽሕዎ ጉድኣት፡ ኣብ ልዕሊ ሓለቓ ስታፍ ሓይልታት ምክልኻል ኤርትራ ጀነራል ፍሊጶስ ወልደዮሃንስ ቁሩብ ትርር ዝበለ ዝመስል እገዳ ወሲና ኣላ።

እዚ እገዳ ምስቲ ቅድሚኡ ዝነበረ ክወዳደር እንከሎ ዝነጸረን ንብረትን ገንዘብን ናይቲ ጀነራል ዝእግድን ንኣተገባብርኡ ብዝምልከት ናብ ዝቆጻጸር ኣካል ዝተመሓላለፈን እዩ። እዚ እውን ብፍላይ ብመጽርቲ እዚ ጀነራል ካብ ኢሳያስ ኣፈወርቂ ብዘይፍለ ክብደት ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ኤርትራ ዝፍጽሞ ዘሎ በደላት ዝምጥኖ ኣይኮነን። ዝርካቡኸ ኣብ ግብሪ ክውዕል ድዩ ኣይፋሉን እውን ኣዛራቢ እዩ። ስለዚ እቲ ቀንዲ ፍታሕ  ኣባና ኣብ ኢድ ዋናታቱ ዘሎ ኮይኑ፡ እቲ እገዳ ዝርካቡ “ስማዊ ጥራይ” ኮይኑ ከይተርፍ ኣብ ዝተረኽበ ኣጋጣሚ ክንደፍኣሉ ከድልየና እዩ። በዚ ኣጋጣሚ ነቲ ማዕቀብ ዝወሰነ ኣካል’ውን ውሳነኡ ስማዊ ጥራይ ኮይኑ ከይተርፍ ንካለኦት ዓመጸኛታት’ውን ኣብነታዊ ትምህርቲ ክህብ ብዝኽእል ደረጃ ተኸታቲሉ ከተግብሮ ነማሕጽን።

ጉዳይ እገዳ ክለዓል እንከሎ እቲ ወትሩ ዝመጽእ ኣዛራቢ ዛዕባ፡ “ኣብ ልዕሊ ኤርትራን ህዝባንከ ዘሕድሮ ሳዕቤን ኣለዎዶ የብሉን?” ዝብል እዩ። ኣብዚ ቅድሚ ካብ ነዊሕ ግዜ ጀሚሩ ህዝቢ ኤርትራ ብምልኡ ኣብ ትሕቲ ተሪር እገዳ ጉጅለ ህግደፍ ይነብር ከምዘሎ ምስትብሃል ናይ ግድን እዩ። እቶም እገዳ ኣብ ልዕሊኦም ዝተወሰኖም ጉጅለ ህግደፍ ይኹን ኣካላቱ እቲ ስጉምቲ  ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ኤርትራ ከም ዝተወስደ ውሳነ ኣምሲሎም የቕርብዎ እሞ ንብዓት ሓርገጽ እንዳነብዑ፡ ህዝባዊ ደገፍ ክረኽብሉ  ካብ ምጽዓር ዓዲ ኣይውዕሉን እዮም። ነቲ ባዕላቶም ደም ዘንብዕዎ ህዝቢ ኤርትራ ድማ ኣብ ከምዚ ንዓኣቶም ዘድልዮም ወሳኒ ኩነታት “ማህሰይትና ማህሰይትኻ እዩ” ዝብል መዝሙር ከዘምርዎ ህርድግ ይብሉ። ንክብሩን ንክብሪ ሃገሩን ክትንስእ እውን ይሽሕጥዎ። ሎሚ ደኣ ይንኪ ኣሎ እምበር፡ በዚ ብምዓር ዝተቐብአ ዕረ ስብከቶም ተዓሽዩ “ኣለኹ ምሳኻትኩም” ዝብሎም ኣይስእኑን እዮም። ናይቲ ብኸምዚ ምዕሻዎም ጠንቂ ከኣ ነቲ ዘይሓልፍ ህዝብን ሃገርን ካብቲ ጽባሕ ዕምሩ ኣኺሉ ዝፋኖ ምምሕዳር ህግደፍ ፈሊኻ ዘይምርኣይ እዩ። ነቲ ናይ ክሳብ ሕጅን ንመጻኢ እንጽበዮን እገዳታት ከኣ ብመንጽርዚ ንሃገርን መደናገሪ ምምሕዳር ህግደፍን ፈላሊና ኢና ክንርእዮም ዝግበኣና

Last modified on Thursday, 26 August 2021 10:12