ግደ ህዝብን ውድባትን ተመጋጋቢ’ዩ

2021-11-07 21:35:20 Written by  ቤት ጽሕፈት ዜና ሰዲህኤ Published in EPDP Editorial Read 1159 times

ኤርትራ ኣብዚ ዘላቶ ናጻን ልኡላውን ክብሪ ዝበጸሐት ብመሰረቱ ሳላ ዘይተሓለለ ቃልሲ ህዝባ እያ።  ህዝቢ ኤርትራ ናጽነት ሃገሩ ዝብህግ ጥራይ ዘይኮነ፡ ባህጉ ዘግሃደ ፡ ጽኑዕ፡ ጸዋርን ተባዕን ምዃኑ ኣብ ሕብረተሰብ ዓለም እውን ኣፍልጦ ዝረኸበ  ኣብነታዊ ህዝቢ እዩ። ናብዚ ክብሪዚ ዝበቐዐ ከኣ ሳላ ምስ ፍልልያቱ ናብ ሓደ ጸላኢኡ ኣትኪሉ ብሓድነት ዝተቓለሰ ነይሩ።

ኣብ ጉዳይ ሃገር እቲ ወሳኒ ግደ ዘለዎ ህዝቢ ኢዩ። ህዝቢ ኤርትራ ነዚ ኣብቲ ምእንቲ ናጽነቱ ዘካየዶ ቀዳማይ ምዕራፍ ቃልሱ ብግብሪ ኣርእይዎ እዩ። ወሳኒ ግደ ህዝቢ ኣብ ሃገር ስለ ዘይቅየር ሎሚ’ውን ህዝቢ ኤርትራ እቲ ዝለዓለ ወሳኒ ሓይሊ ኣብ ናይ ለውጢ ቃልሲ  ኢዩ። ካብዚ ሓቂዚ ነቒልና ኢና ከኣ “ኣብ ኤርትራ ዋና ለውጢ ህዝቢ እዩ”  እንብል። ኣንጻር ህግደፍ ክንቃለስ ካብ ዘገደዱና ቀንዲ ምኽንያታት ጉጅለ ህግደፍ ንወሳኒ ግደ ህዝብና ጓዕጺጹ፡ ንገዛእ ርእሱ ልዕሊ ህዝቢ ዝሰርዕ ዓመጸኛ ስለ ዝኾነ እዩ። ህዝቢ ኤርትራ ናጽነቱ ንምውሓስ ዝኸኣለ ካብ ኣብራኹ ብዝወጹ ውፉያት ደቁ ብዝተመስረታ መሪሕ ውድባቱ ምዃኑ ርዱእ እዩ። እዚ ከኣ ነቲ “ውዳበ ሓይሊ ስለ ዝኾነ፡ ብዘይውደባ ዝዕወት ቃልሲ የለን”  ናይ ዝብል ኣምር ሓቅነት ዘረጋገጸ እዩ።

ብዙሓት ወገናት ከም ዝሰማምዕሉ፡ ዝምድና ህዝብን ውድባትን ምስ ናይ ዓሳን ባሕርን ውህደት ዝመሳሰል እዩ። ከምቲ ዓሳ  ብዘይ ባሕሪ ህልውና ዘየብሉ ውድባት ከኣ ብዘይህዝቢ ኣይዕወታን ጥራይ ዘይኮነ ህልውና እውን የብለንን። ህዝቢ እውን ብዘይ መሪሕ ውድብ ኣብቲ ዝደልዮ ዓወት ክበጽሕ ኣይክእልን እዩ። ብመንጽርዚ ክረኣይ እንከሎ፡ ህዝብን ውድባትን ከም ባሕርን ዓሳን ተወሃሂዶም ህይወት ዝዕቅቡን ቁጠባ ዘዕብዩን እምበር፡ ናይቲ ሓደ ግደ ብናይቲ ካልእ ብጽሒት ተተኪኡ በበይኖም ዝዕወቱ ኣይኮኑን። ምስ ኩሉቲ ኣብ ጉዕዞ ቃልስና ዘጋጥም ዝነበረ ሓርጎጽጎጻት፡ ናይ ህዝብን ውድባትን ኤርትራ  ንኹሉ ጼርካ ከም ማይን ጸባን ምስምማዕ ካብ ቀንዲ ምስጢራት ዓወትና ምንባሩ ናይ ክሳብ ሕጂ ቃልስን ዓወትን ህዝቢ ኤርትራ ኣረጋጊጽዎ እዩ። እዚ ውህደት ኣብ ቀጻሊ ቃልስና ምእንቲ ለውጢ እውን ናይ ምዕዋትና ወሳንነቱ ሒዙ ዝቕጽል እዩ።

ኩልና ከም ዘይንስሕቶ፡ ኣብ ታሪኽ ቃልሲ ህዝቢ ኤርትራ ከጋጥሙ ካብ ዝጸንሑ ብደሆታት፡ በቲ ሓደ ወገን ኣብ መንጎ ህዝብን ውድባቱን በቲ ካልእ ወገን ከኣ ኣብ ሕድሕድ ውድባት ዝነበረ ምንባብ፡ ምድምማጽን ምጽውዋርን ሓሓሊፉ ሓጐጽጐጽ ዘጋጥሞ ምንባሩ እዩ።  ጸላእቲ ህዝቢ ኤርትራ ብወገኖም ቃልሲ ህዝቢ ኤርትራ ንምስዓር፡ ኣብ መንጎ ህዝብን ውድባቱን ምርሕሓቕ ንምፍጣር ካብ ሃይማኖታዊ ስምዒታት ምጽሕታር ጀሚሮም ዘይፈንቀልዎ እምኒ ኣይነበረን። ነቲ “ዓሳ ንምጥፋእ ባሕሪ ምንጻፍ”  ዝብል ብሂል እውን ፈቲነምዎ እዮም።  እንተኾነ ሳላ ህዝቢ ኤርትራ ኮነ ውድባቱ  ኣብ ሕድሕድ ዝመጋገቡ እምበር ሓደ ነቲ ካልእ ተኪኡ በይኑ ዝበጽሖ ከም ዘይብሉ ተገንዚቦም ኣብ መንጎኦም ብጉዳይ ናጽነት ሃገር ንፋስ  ዘይምእታዎም ውዲት ጸላእቲ ሕልሚ ኮይኑ ተሪፉ። እዚ ክበሃል እንከሎ ግና ብፍላይ ኣብ መንጎ ውድባት ኤርትራ ህርፋን ጸላእቲ ዘርወየን  ንሃገራዊ ዕላማታት ንድሕሪት ዝመለሰን ኣይንበር እምበር፡ ንቃልስና ዘደናጎየ ፍልልያትን ምድማይን  ኣይነበረን ማለት ኣይኮነን። ኣብ መጻኢ’ውን ኣብቲ ህዝብና ዝጽበዮ ዓወት ንምብጻሕ ኣብዚ መዳይዚ ዘሎ ሃጓፍ ምምላእ መተካእታ የብሉን።  ኣብዚ እዋንዚ ቃልስና በቲ ንደልዮ ቅልጣፈ ተጓዒዙ ካብ ዘይተዓወትናሉ ምኽንያታት፡ ምክእኣልን ምትእምማንን፡ በቲ ሓደ ወገን ኣብ መንጎ ህዝብን ውድባቱን በቲ ካልእ ወገን  ከኣ  ኣብ መንጎ እተን ህዝቢ እምነት ዘንበረለንን መሪሕነታዊ ግደአን ክፍጽማ ዝጽበየንን ውድባትን ሰልፍታትን ኣብቲ ዝድለ ኣውንታዊ  ደረጃ ዘይምብጻሑ ምዃኑ ፍሉጥ እዩ።

ውድባት መሪሕ ግዲአን ኣብ ዝፍጽማሉ፡ ነቲ ኣብ ቅድሚ ህዝቢ ዘሎ ብደሆ ንምስጋር የኽእል ዝብለኦ  ሓሳብ ኣመንጭየን መዋጸኦ ምእማም’ዩ። ቃልሰን ከኣ ነዚ ዘመንጨወኦ ሓሳብ ሰፊሕ ተቐባልነት ክረክብ ውድባዊ ዓቕሚ ኣጥሪኻ ምስራጹ እዩ። ኣብቲ ጉዕዞ ቃልሲ ብፍላይ ኣብ ከምዚ ንሕና ንርከበሉ ዘለና ብዙሓት ውድባትን ሰልፍታትን ዝዋሰኣሉ ፖለቲካዊ መድረኽ፡ ብኽንድኡ ደረጃ ዝተፈላለዩ ኣተሓሳስባታት ዝወዳደረሉ እዩ። እዚ ዝተፈላለየ ኣተሓሳስባታት ተቐባልነት ንምርካብ ናብ ናይ ሓባር ዕዳጋ ወሪዱ ዓዳጋይ ንምርካብ ዝወዳደር እዩ። ካብዚ ሓሉፉ ዝኾነ ውድብ ይኹን ሰልፊ ንኣተሓሳስባኡ ከም ውዱእ፡ ካልእ መተካእታ ዘየብሉ እንኮ ምርጫ ወሲዱ “ግድን ናተይ ኣተሓሳስባ እንተዘይገዛእኩም” ኢሉ ናይ ምግዳድ መሰል የብሉን። ንሱ ጥራይ ኣይኮነን፡ ከምቲ ሓደ ውድብ ኣተሓሳባኡ ክስመዓሉን ተቐባልነት ክረኽበሉን ዝደሊ ናይቶም ካለኦት መወዳድርቱ ውድባትን ሰልፍታትን ኣተሓሳስባ ናይ ምስማዕን ምኽባርን ግድነት ከም ዘለዎ ክዝንግዕ የብሉን። ምኽንያቱ ኤርትራ ናይ ህዝባ እምበር ናይ ሓደ ውድብ ወይ ሰልፊ ስለ ዘይኮነት። እቲ ዝተሓዝ ኣተሓሳስባ ናይ ግድን ብግቡእ ተሓሲብሉን ንኩነታት ኤርትራን ህዝባን ብደቂቑ ኣጽኒዑ ኣብ ግምት ዘእተወን እምበር፡ ብዋዛ ንስለ ውድባዊ ወይ ሰልፋዊ  ህልውና ተበሂሉ ዝተሓዝ ክኸውን ኣይግበኦን።

ኣብ ተመኩሮ ቃልስና ካብ ዝፈላልዩና ዛዕባታት  “ፖለቲካዊ መንነት ጉጅለ ህግደፍ  ብኸመይ እዩ ዝግለጽ?፡ መጻኢ ኤርትራን ህዝባንከ ከመይ ይኹን?” ዝብሉ ሕቶታት ኣብ ምምላስ ምዃኑ እንርደኦ እዩ። ብዙሓት ውድባት ምስ ምዃንና ናይዚ ሕቶታት መልስታትና ዝተፈላለየ እንተኾነ ዘገርም ኣይኮነን። እቲ ዘገርም ዝኸውን ግና፡ ሓደ ውድብ ወይ ሰልፊ ናይቲ ካልእ መወዳድርቱ መልሲ ከም ቅኑዕ ኣይዕገበሉ እምበር፡ ክሰምዖን ከኽብሮን ቅሩብ ዘይክኸውን እንከሎ እዩ። ኣብ መንጎ ውድባት ዝግበር ዘተ ከኣ ንርኢቶታት ተቐቢልካ ዝግበር ፍልልያት ናይ ምቅርራብ እሂንምሂን ክኸውን ይግበኦ።

ህዝቢ ኤርትራ ጌና ኩነታት ጣጢሕሉ ይሕሸኒ ዝብሎ ሓሳብ ኣጽኒዑ ናይ ምውሳን ናጻ ዕድል ከይረኸበ፡ “ናተይ ርኢቶን ኣወዳድባን እዩ ብህዝቢ ዝድገፍ እሞ፡ ነናትኩም ገዲፍኩም ንናተይ እንተዘይረዓምኩም” በሃላይ ኣካል ተጽዕኖ ክፈጥር ክህቅን እንከሎ ኣጸጋሚ እዩ። ከምዚ ዘጋጥም ክዕብልል ዝደሊ ኣካል  ዘምጸኦ ሓሳብ፡ ካለኦት ወገናት ካብቲ ንሱ ዝረኣየሉ  ኣቕጣጫ ወጻኢ ናይ ምምዛን መሰል ከም ዘለዎም ክዝንግዕ እንከሎ እዩ። እዚ ብሓሳባት ምፍልላይ፡ ተፈላልዩ ዝነብር ዘይኮነ፡ ኣብ ናጻን ዲሞክራስያውን መድረኽ፡ ህዝቢ “እዚ ኣተሓሳስባዚ እዩ ዝሕሸኒ፡ ንዓኡ እየ ከኣ ሕገ-መንግስታዊ መልክዕ ኣትሒዘ ዘተግብር”  ዝብል ውሳነ ሂቡ ዝዛዘሞ እዩ። ድሕሪኡ እቲ ህዝባዊ ተቐባልነት ዝረኽበ ዝትግብረሉ እቲ ተቐባልነት ዘይረኸበ ከኣ ዝስመዓሉ ኮይኖም እቲ መስርሕ ይቕጽል። ኣብኡ ክሳብ ንበጽሕ እምበኣር ኣብ ዙርያቲ “ሓይልታት ለውጢ” ዝብል ናይ ሓባር መግለጺና ቃልስና ነሐይል።

Last modified on Sunday, 07 November 2021 22:46