
ርእሰ-ዓንቀጽ ሰዲህኤ
ኣብ ኤርትራ ለውጢ ንምርግጋጽ ንቃለስ ዘለና ፖለቲካዊ ውዳበታት፡ ሲቪላዊ ማሕበራትን ህዝባዊ ምንቅስቓሳትን ብዙሓት ኢና። እምብዛ ብዝሒ ውዳበታትናን ምንቅስቓሳትናን ከኣ፡ ንነዊሕ ግዜ ኣሰካፍን ኣዘራብን ኮይኑ ዝጸንሐን ዘሎን እዩ። ናይቲ ስኽፍታት ምኽንያት፡ “ናይ ለውጢ ዓቕምና ተበቲኑ ከይንደክም” ዝብል ሓልዮት እዩ። በቲ ካልእ ወገን ድማ ዘይሩ-ዘይሩ እነረጋግጾ ናይ ሓባር ሸቶ ምውጋድ ስርዓት ህግደፍን ብልዑል ተሳትፎ ህዝቢ ቅዋማውን ዲሞክራሲያውን ስርዓት ምትካልን ክሳብ ዝኾነ ልብኻ ዝመልስ እዩ።
ኣብ ከምዚ ዘለናዮ ኣህላኺ መስርሕ ቃልሲ፡ ምብዛሕ ውዳበታት ብኣና ዝተጀመረ ዘይኮነ፡ ኣብ ተመኩሮ ካለኦት ዕዉታት እውን ዝተራእየ እዩ። ምውዳብ መሰልን ሓይልን ስለ ዝኾነ፡ “ድሕሪ ክንድዚ ውድባትን ማሕበራትሲ ይኣክል” ኢልካ ዝሕጸር ኣይኮነን። ናይ በይንኻ ዝተፈልየ ውዳበ ክህልወካ ዘገድድ መሰረታዊ ናይ ኣተሓሳስባ ፍልልይ ዘየብልካ ክነስኻ፡ ኣብ መስርሕ ክጻበብ ዝኽእል ዘይመሰረታዊ ፍልልይ መሰረት ጌርካ “ግድን ባይነይ እንተዘይተወድብኩ” ምባል ግና፡ ምርጫ ናይቲ ተግባሪኡ’ኳ እንተኾነ፡ ዝተባባዕ ግና ኣይኮነን። ብድፍኑ ምብዛሕ ውዳበታት ጠንቂ ናይ ዘይምዕዋት ጌርካ ምውሳዱ ድማ ቅኑዕ ኣይኮነን። ኣብ ሕድሕድ እቲ ውዳበታት ዘሎ ፍልልያት ኣመሓዲርካን ተጸዋዊርካን፡ ኣብቲ ዘሰማመዓ ብጽንዓትን ቀጻልነትን ኣትኪልካ ብሓባር ዘይምቅላስ ግና ዕንቅፋት ዓወት ምዃኑ ካብ ኤርትራውያን ንላዕሊ ዝተመኮረሉ የለን።
ናይ ኣተሓሳስባ ፍልልያትና ካብቲ ንጉዳያት ኣብ ምምዛንን ምንባብን ዘለና ፍልልያት ዝነቅል እዩ። ሓደ ኣካል ጐሊሁ ዝረአ ግጉይ ኣናብባ ከንጸባርቕን ንዓኡ ተኸቲሉ ውዳበ ክፈጥርን እንከሎ፡ ናብ ወድዓዊ፡ ርትዓውን ሓላፍነታውን ኣናብባ ክምለስን ቅኑዕ ኣቕጣጫ ንክሕዝን ክትሕግዞ ምጽዓር ንቡር እዩ። እንተኾነ “ነዓይ ዝረኣየኒ ንባብን ተረድኦን እዚ እዩ። ተረድአይ ኣብ ግብሪ ንምውዓል ዝቃለሰሉ ውዳበ ድማ ክምስርት እየ” እንተ ኢሉ ግና፡ ነዚ ዝምልከት ቅዋማዊ ሕጊ ሰልፍታት ኣብ ዘይብሉ ስለ እንርከብ፡ ደው ከተብሎ ኣይከኣልን። እቲ ምርጫ እምበኣር፡ ኣብ ሰላማዊ መስርሕ ናይ ሓሳብ እንካን ሃባን፡ ኣብ ቅድሚ ህዝቢ ተቓሊስካ ክትረትዖ ጥራይ እዩ። ኣብ ክንዲ ተመዓዳዲኻ ትተሃላለኽ ግን፡ ነቲ ዘሰማምዓካ ዛዕባታት ዝያዳ ንምሕያልን ፍልልያት ንምጽባብን ዘኽእለካ፡ ናይ ሓባር መድረኽ ምፍጣር ኣዝዩ ኣገዳሲ እዩ። ካብዚ ሓሊፉ ሓደ ውዳበ፡ በይኑ ናይቲ መቃለሲ ሜዳ በሓትን ቀላስን ኮይኑ፡ ነቲ ካልእ ብጉልበት ደፊኡ ከውጸኦ ወይ ርኢቶኡ ንክቕበል ከገድዶ እንተፈቲኑ፡ ምስ መሰል ሓሳብካ ምግላጽን ናጽነት ምውዳብን ዝራጸም ስለ ዝኸውን ዝምረጽ ኣይኮነን።
ኣብዚ እዋንዚ ብሓፈሻ ኤርትራውያን ሓይልታት ለውጢ፡ ብፍላይ ድማ ፖለቲካዊ ሓይልታት ኤርትራ (ፖሓኤ)፡ ናይ ሓባር መድረኽ ክንፈጥር ንቃለሰሉ ዘለና ምኽንያት ተቐራሪብና ፍልልያትና ነጻብበሉን ነቲ ዘሰማመዓና ነስፈሓሉን ነስርጸሉን ዕድል ንምፍጣር እዩ። ናይ ሓባር መቃለሲ መድረኽ ምፍጣር፡ ሓደ ካብ ጠለባት ህዝብና ኣብ ልዕሊ ምዃኑ፡ ዝተበተነ ዓቕምና ከድምዕን ህግደፍ ናብ ንስዕረሉ ደረጃ ንኽብርኽን ንከኽእለና ኢና። በቲ ካልእ መልክዑ “ብሓባር እንተዘይኮይኑ፡ በበይንና እነምጽኦ ናይ ዓወት ውሕስነትን መዋጸኦን የለን” ዝብል ዘይስገር መልእኽቲ ዘመሓላልፍ እዩ። ከምኡ ስለ ዝኾነ እዩ ከኣ ሕቶ ሓቢርካ ምቅላስ ናይ ውሱናት ውዳበታት ሓላፍነት ዘይኮነ፡ ናይ ኩልና ኤርትራውያን ግዱሳት ግደታ እዩ እንብሎ። ሕቶ ሓድነት ከከም ናይ ኣተሓሳስባ ቅርበትን ርሕቀትን ናይቶም ብሓባር ክጸምዱ ዝገበኦም ኣካላት ደረጃታት ኣለዎ። ንኡስ ፍልልያትካ ኣወጊድካ ብደረጃ ምሉእ ሓድነት ወይ ፍልልያትካ ዓቂብካን ኣመሓዲርካን ብምክብባር ቀዳምነትካ ሰሪዕካን፡ ብደረጃ፡ ግንባር፡ ልፍንቲ ወይ ምሕዝነት ብዝግለጽ ጽላል ይትግበር።
ሰልፊ ዲሞክራሲ ህዝቢ ኤርትራ ( ሰዲህኤ)፡ ንሓድነት ብዝምልከት ኣብ ጉባአኡ ዝጸደቐ ውሳኔ ተመርኲሱ፡ ብ4 ሓምለ 2017፡ ንፖለቲካዊ ሓይልታት ኤርትራ፡ ብሓባር የቃልሳና እየን ኣብ ዝበለን፡ “1. ምዕቃብ ልኡላዊ ግዝኣት ኤርትራ፡ 2. ምውዳቕ ዲክታቶርያዊ ስርዓት ህግደፍን ምልጋስ መሓውራት ጭቆናኡን፡ 3. ድሕሪ ውድቐት ስርዓት ህግደፍ ኣብዝሓ ሰልፋዊ ስርዓት ዝሰረቱ ህዝባዊ ዲሞክራስያዊ ስርዓት ምቛም፡ 4. ግዝኣተ ሕግን ዲሞክራስያዊ መሰላትን መላእ ሓርነታትን ህዝቢ ምቕባል” ኣትኪሉ ናብ ምሉእ ሓድነት የብጸሕና ወይ ኣብ ትሕቲ ሰፊሕ ጽላል የቃልሰና ዝበሎ፡ እማመ ኣቕሪቡ። እዚ እማመ ምስተዘርገሐ ዋላ ብሓደ ውድብ ተቓውሞ ኣይገጠሞን። እንተኾነ ክንድቲ ዝድለ ንዓኡ ዝምጥን ግብራዊ ውጽኢት ኣይተራእየን።
ኣብ ዝተፈላለዩ መድረኻት ዝንጸባረቑ፡ ኣብ ሰፊሕ ጽላል ብሓባር ንምቅላስ ከዕንቅፉና ዘይነበሮም መፈላለይ ዛዕባታት ብዙሓት እዮም። መብዛሕትኦም ከኣ ድሕሪ ውድቀት ስርዓት ህግደፍ ብህዝቢ ብዝጸድቕ ቅዋም እምበር ብውድባት ኮነ ምንቅስቓሳት ክውድኡ ዘይግበኦም እዮም። ካብቶም ፍልልያት ዝንጸባረቐሎም ሓደ፡ ህግደፍ ንምውጋድ እንኽተሎ ኣገባብ ቃልሲ እዩ። ጐነጻዊ፡ ዘይጐነጻዊ ወይ ክልቲኡ ዝብሉ ኣገባባት፡ ኣብ መደብ ዕዮ ዝተፈላለዩ ፖለቲካዊ ውድባተታት ሰፊሮም እንረኽቦም እዮም። ውዳበታት፡ ስርዓት ህግደፍ ንምውጋድ ዝኽተልዎ ኣገባብ ብስምዒት ዘይኮነ፡ ባህርያት ጉጅለ ህግደፍ፡ ድልውነት ተሳትፎ ህዝቢ፡ ናይ ዝሓለፈ ውግኣት ስንብራት፡ ማሕበረ-ቁጠባዊ ዓቕሚ፡ ናይ ከባቢና ሓይልታት ኣሰላልፋ፡ ድሕሪ ለውጢ ከኸትሎ ዝኽእል ሳዕቤን …….ወዘተ ዝብሉ ኣብ ግምት ዘእተወ ክኸውን ይግበኦ። ኣብዚ እቲ ቀንዲ ምስትውዓል ዘድልዮ፡ ኮሎም እዞም ኣገባባት፡ እቲ ስርዓት ንክውገድ ናይ ምግዳድ ሸቶ ዘለዎም እዮም። ካብዚ ሓሊፉ ኩሎም ኣገባባት ለውጢ ብኻልእ ኣካል ክመጸሎም ወይ ህግደፍ ክተኹበሎም ዝጽበዩ ኣይኮኑን።
ስለዚ ሎሚ እውን፡ እቲ ቀዳምነት ሂብና ከነጉለሖ ዝግበኣና፡ ነቲ ዝፈላልየና ዘይኮነ፡ ዘይሩ-ዘይሩ ሸቶና ሓደ ምዃኑ ተገንዚብና ነቲ ዘሰማምዓና ክኸውን ይግባእ።
ርእሰ-ዓንቀጽ ሰዲህኤ
ሕሉፍ ዲክታተር ኢሳያስ ኣፈወርቂ ካብ ዝግለጸሎም ቀንዲ ባህርያቱ ትካላውን ግሉጽን ኣካይዳ ዘይክተል ምዃኑ እዩ። ናይዚ ዘይግልጽነቱ ቀንዲ መርኣያ ኣብቲ ምስ ህዝቢ ኤርትራ ዝጸንሖን ዘለዎን ዝምድና ገሊሑ ዝንጸባረቕ እዩ። እዚ ዘይግሉጽነት ኣብ ዝምድናኡ ምስ ህዝቢ ኤርትራ ዝድረት ዘይኮነ፡ ምስ ካለኦት ወገናት ዝገብሮ ርክብ እውን ብሃላሊ ፖሊሲ ዝምድና ዝግለጽ እዩ። ዘይግልጹነቱ ምስቶም ናይ ቀረባ መቓልስተይ ዝብሎም ከይተረፈ ከም ዝተራእየ፡ ካብ ናይ ቀረባ ግዜ ተግባራቱ ምግንዛብ ይከኣል። እቲ ብ2018 ምስ ቀዳማይ ሚኒስተር ኢትዮጵያ ዝገበሮ’ሞ ናብ ሓድሽ ምዕራፍ ዝምድና ከሰጋገር ትጽቢት ተገይርሉ ዝነበረ ርክብ፡ ናይ ብዙሓት ኣጀንዳ ኮይንሉ ዝነበረ ቀንዲ ምኽንያት ከኣ ዘይግልጹነቱ እዩ።
ድሒሩ ኢሳያስ ናብ ከተማታት ኣዲስ ኣበባ፡ ጎንደር፡ ባህርዳር፡ ኣዋሳ፡ ናይሮብን ካልኦትን ይገብሮ ኣብ ዝነበረ ኮለል፡ ዕላምኡ እንታይ ከም ዝገበረ ምናልባት ንዑስማን ሳልሕን የማነ ገብረኣብን እምበር ንህዝቢ ኤርትራ ግሉጽ ኣይነበረን። በብግዜኡ ምስ ስዑድያ፡ ቀጠር፡ ሱዳንን ኤመረትን ዝነበሮ ወደኽደኽ እውን ተመሳሳሊ እዩ ነይሩ። ምስ ሩሲያ ዝረአ ዘሎ ሓድሽ ዝመስል ኣረጊት ዕርከነት’ውን ከምኡ ሽፉን እዩ። ህዝቢ ኤርትራ ብዛዕባቲ ብስሙ ዝእለም ኣሻቓሊ ሕቡእ ተንኮላት ናይ ምፍላጥ ድሌትን መሰልን እኳ እንተነበሮ፡ ነዚ ብዝምልከት ዝሓተሉ ዕድልን ኣጋጣምን ግና ኣይረኸበን።
ኢሳያስ ኣብ 8-9 ለካቲት 2023 ናብ ናይሮቢ ኣብ ዝገበሮ መገሻ ሳላ ውሕልነት መንግስቲ ከንያ ዲፕሎማስያዊ መልክዕ ብዘለዎ ኣብ መንጎ ክልቲአን ሃገራት ስምምዓት ተፈሪሙ ተባሂሉ። ሓደ ካብቲ ስምምዓትኳ “ኣብ መንጎ ክልቲአን ሃገራት ናይ ዜጋታት ካብን ናብን ብዘይቪዛ ምጋሽ ክህሉ” ዝብል ከም ዝርከቦ ኣብቲ ወረቐት ሰፊሩ’ሎ። ብግብሪ ግና ብምስምስ ኣብ ኤርትራ ዘሎ ሓናቒ መጻወዲያ “መውጽኢ ቪዛን ወተሃደራዊ ኣገልግሎትን” ከም ዝኹለፍ ርዱእ እዩ። ነቶም ሰብ ፍሉይ ሓለፋ ነጋዶ ኣባላት ንግዳዊ ትካል 03 ግና መንገዲ የጣጠሓሎም ይኸውን።
ኣብ መወዳእታ ነቲ ርክብ “ንቡር ዲፕሎማሲያዊ መልክዕ ንምትሓዝ” ክልቲኦም መራሕቲ ኣብ ቅድሚ ጋዜጠኛታትን ወከልትን ፍሉጣት ማዕከናት ዜና ዓለም ዝተዓደምሉ ናይ ሓባር ጋዜጣዊ ዋዕላ ተዳልዩ። ኣብዚ ዋዕላ ምናልባት ኢሳያስ ብዛዕባ ኣብቲ ስምምዕ ዝሰፈሩ ነጥብታት ዘተኩሩ ሕቶታት ክሕተት ትጽቢት ነይርዎ ይኸውን። እንተኾነ እቶም ናይ ኤርትራ ዘይግሉጽነትን ዕጽዋ ሓበሬታን ከተሓሳስቦም ዝጸንሐ ጋዜጠኛታት፡ “መጺእካለይዶ ክጽበየካ” ኢሎም፡ በቲ ኢሳያስ ዘይተጸበዮ ድኹም ጐኑ ኣትዮም፡ ናብቲ ብዛዕባ ኤርትራ ክፈልጥዎ ዝደልዩ እዋናዊ ሓበሬታ ኣተኲሮም። በዚ መሰረት እቲ ካልእ ገዲፍካ፡ “ሰራዊቲ ኤርትራ ካብ ትግራይ ወጺኡዶ ኣይወጸን?፡ ሰራውትኩም ኣብ ትግራይ ፈጺምዎ ብዛዕባ ዝበሃል ናይ ውግእ ገበናት እንታይ ትብሉ?፥ ኣብ ትግራይ ክንደይ ኣባላት ሰራዊት ሞይተሙኹም?፡ ህላወኹም ኣብቲ ውግእ ስለምንታይ ን5 ኣዋርሕ ሓቢእኩምዎ ጸኒሕኩም?፡ ……….ወዘተ” ዝብሉ ወጠርቲ ሕቶታት ኣከታቲሎም ምስ ኣዝነብሉ፡ ቅርኑ ከም ዝተወቕዐ ብዕራይ ጽርውርው ክብሎ ጀሚሩ። ብፍላይ “ጋዜጠኛ ዋሽንግተን ፖስት” ዝብል ድምጺ ምስ ሰምዐ፡ ብምሒር ስንባደ የማነ ጸጋም እናጠመተ፡ “ይስመዓኒ የለን” ክብል ኣማኻነየ። ድሕሪዚ ዓቕሊ ጽበት ብዝተሓወሶ፡ መልሲ እዩ ክትብሎ ብዘጸግም ኣጓጣጥ ብዝተሓወሶ “ፋብሪካ ሓሶት” ብዝብል ዘለፋ ጀመረ። ሕርቃኑ ክጻወር ከም ዘይከኣለ ብዘመልክት ምንቅስቓስ ኣካላት ድማ ኣንጸርጸረ። ነቲ ኩነታት ዝተዓዘቡን ካብኡ ከይገድድ እሞ ዝያዳ መስሓቕ ሰብ ከይከውን ዝሰግኡን ኬንያውያን ሰብ መዚ ነቲ ጋዜጣዊ ዋዕላ ኣቋሪጾም ኣገላጊለምዎ። ነቶም ጋዜጠኛታትን ነቲ ምርኢት ዝተዓዘበ ህዝብን ግና፡ ኢሳያስ እንታይ ዓይነት ዲክታተር ምዃኑ ንምርዳእ እኹል መረዳእታ ነይሩ።
ኢሳያስ ኣብ ከምዚ ወጥሪን ስንባደን ዝኣተወ፡ ቅድሚ ኩሉ ዘይግሉጽ ባህርያቱ ስለ ዝሃወጾ እዩ። እቲ ንሱ ዝለመዶ ኣቐዲሙ ዝሃቦም ሕቶታት ዘንብቡ ብፍርሒ ዝተዋህጡ ክልተ “ጋዜጠኛታት” ኣሰሊፉ ከም ድላዩ ምዝራብ ምዃኑ እቲ ካልእ ምኽንያቱ እዩ። ካብ ኬንያ ናብ ኤርትራ ምስተመልሰ፡ ከምቲ ዝለመዶ ኣብ ገዛ ተዓጽዩ ሕነ ናብ ዝፈድዩሉ መድረኽ ክኣቱ ምዃኑ ናይ ብዙሓት ግምት ነይሩ። ብ12 ለካቲት 2023 ድማ ከምኡ ገይሩ።
ኣብዚ “ናይ ናይሮቢ ፍሽለቱ ንምሽፋን ዝሃቀነሉ” ቃለ መጠይቕ ምጽዋዕ፡ ኣብ ቅድሚኡ ዝነበሩ እቶም ኣብ ናይሮቢ ውቃበኡ ዝገፈፍዎ፡ ናይ ቢቢሲ፡ ዋሽንግተን ፖስትን ኣሾሾይት ፕረስን ጋዜተኛታት ዘይኮኑ፡ እቶም ከም ድላዩ ዝዕንድረሎም ሱሌማ ዑስማ ዓበ ካብ ኤሪቲቪን ጳውሎስ ነታባይ ካብ ጋዜጣ ሓዳስ ኤርትራን እዮም። ኣብዚ ኮለል ክብል ልዕሊ 80 ደቓይቕ ዝወሰደሉ ቃለ መጠይቕ፡ ዘልዓሎም ነጥብታት ካብ 30 ደቓይቕ ዝያዳ ዘድልዮም ኣይነበሩን። ብትሕዝቶ ከምቲ ልሙድ ኣብ ውግእ ትግራይ ተዓዊቱ ከም ዝወጸ እምበር ዘሕትቶ ከምዘየለ መሲሉ ቀሪቡ፣ ነቲ ደጊም “ጸወታ ወያነ ተወዲኡ” ኢሉ ነቲ ውግእ ኣቐዲሙ ምብራኹ ዘንጊዑ፡ ነቲ ውግእ ኣሜሪካ እያ ኣጀሚራቶ ኢሉ። ነቲ ውግእ ዕላማ ዘይነበሮ ኢልዎ። እቲ ዝያዳ ዕላማ ዘይነበሮስ ናይ ሰራዊት ኤርትራ ናብቲ ውግእ ምእታው ምንባሩ ግና ክዝንጋዕ ዘየብሉ እዩ። እቶም ኣብ ከንያ ዘዋጠርዎ ጋዜጠኛትት፡ ነቲ ካብኣቶም ሃዲሙ ብትግርኛ ዝሃቦ ቃል እንተዝሰምዑ እንታይ ከም ዝብሉ ምግማቱ ኣየጸግምን።
እታ ኣብዚ ቃለ መጠይቑ ሓዳስ እትበሃል፡ እታ ቀደም ወያነ ንምግላጽ ጥራይ ዝጥቀመላ ዝነበረ “ጃንዳ” እትብል ቃል ሎሚ ንዋሽንግተን እውን ለጢፉላ። ኢሳያስ ንዋሽንግተን መመሊሱ ዝሓይካ ዝነበረ፡ “ውግእ ትግራይ ተወዲኡ ስግኣትና ካብ ተቐንጠጠ፡ ናብ ጉዳይና ንእቶ” እንተተባሂሉ “ናይ ኣሜሪካ ስግኣት ኣየለና”፡ ብምባል ከም ልማዱ ብህዝቢ ክለዓል ካብ ዝኽእል ሕቶ፡ መህደሚት ንክትኾኖ ዝምህዛ ዘሎ ምዃኑ ፍሉጥ እዩ። ካብዚ ሓሊፉ ኣብ ውግእ ዩክረይንን ሩሲያን ዝሓዞ ኣብ ህልኽ ዝተመስረተ እምበር ኤርትራን ህዝባን ዘይረብሕሉ መርገጹ ምኽኑይ ንምምሳል ብዙሕ ተዛሪብሉ። እቲ ዝተረፈ ፈጺሙ ምስ ቀዳምነት ህዝቢ ኤርትራ ዝምድና ኣብ ዘይብሉ፡ ዛንታ እዩ ሃለው ኢሉ። እዚ ኩሉ ኣንጻር ኣሚሪካ ዘንጸርጽሮ ዘሎ፡ መራሕቲ ኣሚሪካ “ምሳኻትኩም ክሰርሕ እንዶ ፍቐዱለይ” ኢልዎምስ፡ “ነዚ ኣይትምጥንን ኢኻ” ኢሎም ስለ ዝነጸግዎ ምዃኑ ምንስሑ ምናልባት ኣብዚ ቃለ መጠይቑ ከም ሓድሽ ዝውሰድ እዩ። እቲ ዘገርም ኢሳያስ ንሓያላት ስለ ዝጸረፈ፡ ዝሓየለ ዝመስሎም ቁንጣሮ ደገፍቱ ምህላዎም እዩ።
እንተ እተን ተዓዊቱ ዘይኮነ፡ ባዕሉ ብዝተኣመኖ ተኾሊፉ፡ ካብ “ትግራይ ድሕሪ ምምላሱ”፡ ህዝቢ ኤርትራ ክምለሳሉ ዝጽበየን እሞ ኣብ ናይሮቢ ጋዜጠኛታት ዘልዓልወን እዋናውያን ሕቶታት ኣይተንከፈንን። ኣብ መጻኢ ክምልሰን እዩ ኢልካ ትጽበዮ’ውን ኣይኮነን። ስለዚ ብፍላይ ኣብቲ ዘይምልከቶም ውግእ ትግራይ ተጠቢሶም ናይ ዝጠፍኡ ደቁ ደሃይ ንምፍላጥ ህዝቢ ኤርትራ በዚ ናይ ኢሳያስ ናይ ህድማ ሃበስቀደስ ክጥበር ኣይግበኦን። ኣብ ክንድኡ ዘይግሉጽነት ናይዚ ዲክታተር ቀሊዑ ጉዳይ ደቁ ክፈልጥ ምቕራብ ወጣሪ ሕቶታቱ ክቕጽል ይግበኦ።
ርእሰ-ዓንቀጽ ሰዲህኤ
ትጽቢት ህዝብና፡ ሓድነት መሬትን ህዝባን ዝዕቅብ፡ ብቕዋም ዝምራሕ፡ ብዙሕነት ዘኽብር፡ መሰል ውደባን ነጻነት ሓሳብካ ምግላጽን ዘይጻባእ፡ ሰላማዊ፡ ዲሞክራስያውን ልምዓታውን ስርዓት ኣብ ድልዱል መሰረት ምህናጽ ምዃኑ ንጹር እዩ። እዚ ኣብ ህላወ ህግደፍ ዝረጋገጽ ከምዘይኮነ ከኣ ኣይኮነንዶ ንህዝቢ ኤርትራ ንሕብረተሰብ ዓለም እውን ንጹር እዩ። እቲ ትማሊ ኮነ ሎሚ ብህዝቢ ኤርትራን ፖለቲካዊ ውዳበታቱን ዝተኻየደን ዝካየድ ዘሎን ቃልሲ ከኣ እዚ ዝተጠቕሰ ባህጊ ህዝብና ዝረጋገጸሉ ጥጡሕ ባይታ ንምውሓስ እዩ።
ናይቲ ብኤርትራውያን ዝካየድ ዘሎ ናይ መሰረታዊ ለውጢ ቃልሲ ቀንዲ ቀላሲ፡ እቲ ግዳይ ወጽዓን ጥልመትን ጉጅለ ህግደፍ ኮይኑ ዘሎ ህዝቢ ኤርትራ እዩ። እዚ ክበሃል እንከሎ ግና ሓላፍነትን ብጽሒትን ናይተን ኣብ መስመር ቃልሲ ተሰሊፈን ዘለዋ ኤርትራውያን ሰልፍታት፡ ውድባት፡ ማሕበራት ኣገዳሲ ባእታታትን ድማ እቲ ቃልሲ ኣንፈቱ ከይስሕት ኣብ ምእላይ ዕዙዝ ምዃኑ ዝዝንጋዕ ኣይኮነን። እዞም ካብ ዝፈላልይዎም፡ ዘሰማምዕዎም ዝበዝሑ ፖለቲካዊ ውዳበታት ኤርትራ፡ ክሳብ ሎሚ ዝቐሰምዎ ኤርትራዊ ተመኩሮ ብምውህላል፡ ዋላ ሓደ ካብኣቶም ኣፉ መሊኡ ነቲ ህዝብና ሃንቀው ዝብሎ ለውጢ፡ “በይነይ ከረጋግጾ እኽእል እየ” ዝብል እምነት ከም ዘየብሉ፡ ካብቲ በብግዜ ዘውጽእዎ ኣዋጃትን መግለጽታትን ምርዳእ ይከኣል። ኣብ ብግብሪ ግና፡ “እቲ አብግዜኡ ዝእወጅከ ናይ ልቢ ድዩ ኣይፋሉን?” ክትብል ዘገድዱ ሓሓሊፎም ዝረኣዩ ናይ ምዕብላል ወስታታት ይረኣዩ እዮም። ምስዚ ኩሉ “ሓቢርካ ምቅላስ ምስጢር ዓወትና እዩ” እናተባህለ በብኩርናዑ ዝጭራሕ ዘይንጸግ’ኳ እንተኾነ፡ ግብራውነቱ እንተ ዘይሰሊጡ ግና ዘተዓዛዝብ እዩ ዝኸውን።
ነዚ ዘይሕለፍ ኣገዳስነት ተረዲእካ፡ ብሓባር ዘቃልሰካ መድረኽ ናይ ምፍጣር ፈተነታት ምክያድ ኣብ ደንበ ተቓውሞ ኤርትራ ነዊሕ ዕድመ ዘለዎ ተመኩሮ እዩ። ናይ ቅድሚኡ ዝነበረ ፈተነታት ገዲፍካ፡ እቶም ካብ ምምስራት “ምሕዝነት ፖለቲካዊ ሓልታት ኤርትራ 1999” ጀሚርካ ክሳብ ሎሚ ዝቕጽሉ ዘለዉ ሃቐነታት ኣብነት እዮም። እዞም ክሳብ ሕጂ ዝተኻየዱ ሓቢርካ ናይ ምስራሕ ተበግሶታት ዘይምዕዋቶም፡ ዘየቕስን ተመኩሮ ኮይኑ፡ ዝመሃረሎም እንተተረኺቡ፡ መምሃሪ ዝኸውን ኣሰር እናመዝገቡ ከም ዝሓለፉ ኣሉ ዝበሃል ኣይኮነን። ብመንጽርዚ ኣብዚ እዋንዚ ተታሒዞም ዘለዉ ሓቢርካ ዘቃልሱ ሰፊሕ መድረኽ ናይ ምድኳን ንቕሎታት፡ ዋነኦም መንዩ ብዘየገድስ፡ ኣብ ደንበ ተቓውሞ ሓደስቲ ምህዞታት ጌርካ ምውሳዶም ቅቡል ኣይኮነን። ልክዕ እዩ ግዜ ናይ ገዛእ ርእሱ ተጽዕኖ ዘለዎ ብምዃኑ፡ እቶም ናይ ሎሚ ሓደስቲ ተበግሶታት ብተመኩሮ ዝሃብተሙ ብምዃኖም ብልጫ ክህልዎም ከምዝኽእል ኣብ ግምት ዝኣቱ እዩ።
ከም ብሓድሽ ዝውሰድ ተበግሶ ኮነ፡ ኣብ መስርሕ ዝጸንሐ ምፍጣር ጥሙር መቃለሲ መድረኽ፡ “ብሉጽን መዋጺእን እዩ” ንክበሃል፡ ተሳተፍቱ ይውሓዱ ይብዝሑ ካልእ ኮይኑ፡ መዕቀኒኡ ካብቲ ዝሓለፈ ተመኩሮ ምምሃሩን ዘይምምሃሩን ክኸውን ይግበኦ። ነቲ ክሳብ ሎሚ ዘየዕወተ ተመኩሮ ኣመላኺዕካ ምድጋሙ ግና ውጽኢቱ ካብቲ ዝሓለፈ ዝተፈልየ ከምዘይከውን ርዱእ እዩ። ምኽንያቱ “ዝዘራእካዮ ኢኻ እትሓፍስ” ዝብል ምሳልያዊ ኣበሃህላ ግድን ስለ ዝኾነ። እቲ ኣብቲ ነባር ተመኩሮ ዘይተዋሰአ ኤርትራዊ መንእሰይ፡ ሎሚ ዘልዕሎም ዘሎ ጭረሖታት ኩሎም ፍጹም ቅድሚ ሕጂ ከምዘይተላዕሉ ጌርካ ምውሳዶም ቅኑዕ ኣይኮነን። አቶም ነባራት ምስ ሓድሽ ምዕባለ ከም ዝሳነዩ ጌርካ ምቕናዮም ከኣ ቅቡል እዩ።
ካብቲ ቅድሚ ሕጂ ከሳቕየና ዝጸንሐን ዘሎን ግጉይ ተመኩሮታት ሓደ፡ ኣብ መንጎ እቲ ዝእወጅን ዝትግበርን ዘሎ ዘይምቅዳው እዩ። “እቲ ቅኑዕ መንገድን ምሩጽ ኣተሓሳስባን ምሳይ ጥራይ እዩ ዘሎ” ምባል፡ ንካለኦት ዕድልን መሰልን ዝኸልእ፡ ንመስርሕ “እንካን ሃባን” ዝዓጹ ስለ ዝኾነ፡ ዝሓለፈ ግጉይ ተመኩሮ ዝደግም እምበር፡ ናብ ዘተኣማምን መዋጸኦ ዝመርሕ ኣይኮነን። “ግድን ኣነ መመቲረ ዘኾልሰኩም ሓሳብ እንተዘይውሒጥኩም”፡ ምባል ብሓባር ዘሰጉም ከምዘይኮነ፡ ኣብ ብዙሕ ካብቲ ናይ ክሳብ ሎሚ ተመኩሮታትና ዝተገንዘብናዮምን ክንቃለስ ካብ ዝድርኹናን እዩ።
እቲ እንቃለሰሉ መድረኽን ነሰጉሞ ኣተሓሳስባን ካብ መጀመርታኡ ኩልና ኢድና ዘንበርናሉን ርኢቶና ዝሓወስናሉን ክኽውን ይግበኦ። ምናልባት ብትሕዝቶኡ ዝፈላለ፡ ነናትና ኣተሓሳስባ ይህልወና’ሞ፡ ናብቲ ናይ ሓባርና ሓዳስ ኤርትራ ናይ ምግሃድ ሸቶ ክንበጽሕ፡ ነቶም ዝተፈላለዩ ርኢቶታት ሒዝና ኣብ ዙርያ ሰደቓ ተራኺብና ሓቚንና፡ ናብ ንኹላትና ዘማእክል ሓሳብ ከነጻዕዮም ይግበኣና። ቀጻሊ ሕድሕድ ርክባትና፡ በቲ ኣብ ክቢ ጠረጴዛ ዘጥረናዮን ዝተረዳዳእናዮን ዕግበት መሰረት፡ ምሉእ ሓድነት ወይ ፍልልያትካ ዓቂብካ ኣብ ብሓባር ምቅላስ ዘትክል ክኸውን ይኽእል። ናብዚ ንምብጻሕ ዘይተደላይ ግዜ ምብኻን ዘይምረጽኳ እንተኾነ፡ ብመጠንቲ መስርሕ ዝሓቶ ውረድ ደይብ እኹል ግምት ምሃቡ ዘይስገር እዩ። ምኽንያቱ እምብዛ ብታህዋኽ ተሻቢብካ ኣብ ዘይብሱልን ዘይኣሳታፍን ኩነታት በይንኻ፡ “ንሕና ኬድና ኢና፡ ዝሰዓበ ይስዓበና” ምባል ደሓር ዘይሩ ዘይሩ፡ ግዜን ንዋትን ምስ ከሰርካ፡ ናብቲ “ሀ” ኢልካ ዝጀመርካሉ ኩነታት ዝመልስ ስለ ዝኾነ። ካብ ከምዚ ንምድሓን ብዝከኣል መጠን ምሳኻ ክኸይድ ንዝኽእል ሓይሊ ናይ ምስታፍ ሓላፍነት ምውሳድ ኣገዳሲ እዩ። ግቡእ ጻዕርን ጹረትን ከየርኣየ፡ እቲ ሓደ ነቲ ካልእ ጠንጢንዎ ምኻድ ግና ከምቲ “ተመሊስካ እትረዶስ፡ ሓዲካዮ ኣይትእቶ” ዝበሃል፡ ኣማስያኡ ዋጋ ዘኽፍልን ዘይተደላይ ግዜ ዝበልዕን ስለ ዝኾነ። ኣብ ደምብ ተቓውሞና ብሓባር ዘቃልሰና መድረኽ ኣብ ምፍጣር እምብዛ ግዜ ምውሳዱ ግና ክንእመነሉ ዝግበኣና እዩ።
እንምስርቶ ናይ ሓባር መቃለሲ መድረኽ፡ ብኹለ-መዳያዊ ዓቕሚ ናይቶም ዘቖምዎ ኣካላት እዩ ዝምዘን። ናይ ብቑዓት መስረቲ መድረኽ እንተኮይኑ ከም ዝሕይል፡ ናይ ድኹማት እንተኮይኑ ድማ ከም ዝደክም ርዱእ እዩ። ስለዚ ብዛዕባ ኣገዳስነት ናይ ብቑዕ ናይ ሓባር መቃለሲ መድረኽ ክንሓስብ እንከለና፡ ኣብ ውደባታት ናይቶም ብሓባር ክቃለሱ ዝጽዕቱ ሓይልታት ትካላዊ ኣሰራርሓን ቅዋማዊ ጽንዓትን ዘደልደሉ ክኾኑ ይግባእ። ከምዚ ዘይምዃኑ ሓደ ካብ ድኽመታትና ኮይኑ ምጽንሑ ካብ ተመኩሮና ከነስተብህሎ ዝግበኣና እዩ።
ርእሰ-ዓንቀጽ ሰዲህኤ
ውግእ ናይ ዝኾነ ጸገም ቀጻልን ውሑስን መፍትሒ ከምዘይኮነ፡ ብናይ ብዙሓት ተመኩሮ ዝተረጋገጸ ሓቂ እዩ። ርሑቕ ከይከድና ኣብ ናይ ቀረባ ግዜ ተዘክሮና እውን ብግብሪ ተራእዩ እዩ። ድሕሪ ናጽነት ኤርትራ፡ ህግደፍ ምስ የመን ዝኸፈቶ ውግእ ናብ ኣህጉራዊ ቤት ፍርዲ ቀሪቡ፡ ብናይ የመን ልዕልና መዕለቢ ምርካቡ፡ ናይ 1998-2000 ደማዊ ውግእ ኤርትራን ኢትዮጵያን ብናይ ኣልጀርስ ስምምዕ ተቛሪጹ፡ ናብ ቤት ፍርዲ ዘሄግ ኣምሪሑ ብቀያድን ናይ መወዳእታን ፍርዲ ምብያኑ፡ ንዝሓለፉ ዝያዳ ክልተ ዓመታት ብዝለዓለ ተሳትፎ ህግደፍን ፍሉይ ሓይሊ ኣምሓራን ኣብ መንጎ ፈደራላዊ መንግስቲ ኢትዮጵያን ክልል ትግራይን ክካየድ ዝጸንሐ ውግእ እውን፡ ብናይ ደቡብ ኣፍሪቃን ኬንያን ስምምዕ ናይ ምዝዛም መልክዕ ሒዙ ይቕጽል ምህላዉ ናይ ውግእ መወዳእታ፡ ውግእ ዘይምዃኑ ዘርእዩ ኣብነታት እዮም።
ጉጅለ ህግደፍ፡ ጸገማት ካብ ውግእ ወጻኢ ክፍታሕ ከም ዝኽእል ዘይስቆሮ ኣብ ርእሲ ምዃኑ፡ ኣብ ተመኩሮኡ ብውግእ ዝሰኸረ እዩ። ውግእ መፍትሒ ከም ዘይከውንን፡ ቀጻሊ ዘተኣማምን ሰላም ከም ዘየውሕስን ጥራይ ዘይኮነ፡ ህይወት ሰብ ኣጽኒቱን ሃብቲ ሃገር ኣዕንዩን ናብ ውድቀት ዝወስድ ጽልሙት መንገዲ እዩ። ኤርትራውያን ኣብ ገዛእ እታ ብክቡር መስዋእቶም ዘምጽእዋ ናጻን ልኡላዊትን ሃገሮም ኣደዳ፡ ስደት፣ ድኽነትን ስግኣትን ኮይነምሉ ካብ ዘለዉ ቀንዲ ምኽንያታት ሓደ፡ ካብ ድሌቶምን ኣፍልጠኦምን ወጻኢ፡ ብዘይፈልጥዎ ሕቡእ ኣጀንዳታት ኣብ ዕረፍቲ ዘይህብ ውግኣት ምጽማዶም እዩ። ምምሕዳር ህግደፍ ኣብ ክንዲ ካብ ናይ ቅድሚ ሕጂ ተመኩረኡ ተማሂሩን ተዓጊሱን ንሰላማዊ መፍትሒ ዕድል ዝህብ፡ ናይ ወትሩ ምርጫኡን ሕልሙን ውግእ እዩ። እዚ ድማ ቀጻልነት ስልጣኑ እንተዘይኮይኑ፡ እቲ ዝጠፍእ ኤርትራዊ ህይወትን ዝባኽን ጸጋ ሃገርን ዘየገድሶ ምዃኑ ዘርኢ እዩ።
ኣብ ከም ናይ ኤርትራ ዝኣመሰሉ ህዝባዊ መሰረትን ተቐባልነትን ዘየብሎም ዓመጸኛ ስርዓታት፡ ናይቲ ውግእ ቀንዲ ዕላማ ናይ ህዝቢ ሕቶ ከይምልስ ምሕባእን ኣብ ስልጣን መቐጸልን እዩ። እቲ ውግእ ናህሩ ወዲኡ ናብ መድረኽ ሰላምን ሕግን ምስተመለሰ፡ በቲ ብዛዕባቲ ክቡር ዋጋ ዘኸፈለሉ፡ መንቀሊኡን ዕላማኡን ዘይፈልጥ ወገን፡ “ኣበይ ጸኒሕና፡ ስለምንታይከ፡ መንዩኸ ዝሕተተሉ?” ዝብሉ ሕቶታት ክሓትት ናይ ግድን እዩ። ኣብ ኤርትራ ድሕሪ ውግእ ምስ የመን ብዙሕኳ እንተዘይተወዓውዐ ናይ ህዝቢ ሕቶታት ነይሩ እዩ። ድሕሪ ውግእ ኤርትራን ኢትዮጵያን 1998-2000 ድማ፡ ብመጠንቲ ዝሓተቶ፡ ናይ ብዙሓት ሞት፡ ስንክልና፡ ምምዝባልን ምብኻን ሃብቲ ሃገርን ብዝሓየለ ተራእዩ። እቲ ሕቶታት ናይቲ ውግእ ሳዕቤንን ዝሕተተሉ ኣካል መን ምዃኑን ብምንጻር ናብ ናይ ድሕሪ ውግእ ክዕመም ዝነበሮ ዘቤታውን ሕገመንግስታውን ዋኒን ምምላስን ዝዓለመ ነይሩ።
ህግደፍ ግና ኣይኮነንዶ ብግብሪ ተሓቲቱ፡ “ምናልባት ከይሕተት” ኢሉ መህደሚ መንገዲ ምምድማድ ልማዱ ስለ ዝነበረን ዝኾነን፡ ኣብ ልዕሊ እቶም ናብ ንቡር ክምለስ ዝሓተትዎ ላዕለዎትን ማእከሎትን ሓለፍቲ ህግደፍን ጋዜጠኛታትን ዝወሰዶ ጨካን ስጉምቲ፡ ኣብ ቅድሚ ህዝቢ ኤርትራ ኮነ ሕብረተሰብ ዓለም ዝተፈልጠ፡ እቲ ጉጅለ ክሳብ ክንደይ ተሓታትነት ዘይጸውርን ዘይህዝባውን ምዃኑ ዘነጸረ ነይሩ። ንሱ ጥራይ ዘይኮነ ዘይሰብኣዊ ምዃኑ እውን ዝተቓለዓሉ ፍጻመ እዩ። ሎሚ ድሕሪዚ “ኣብ ውግእ ትግራይ ተዓዊተ ተመሊሰ ኣለኹ” ኢሉ ዝጭድረሉ ዘሎ ግዜ እውን ኣብ ኤርትራ ናይ ድሕሪ ውግእ ፖለቲካዊ ቅልውላው ክንጸባረቕ ባህርያዊ እዩ። እሞ ከምቲ ናይ ቅድሚ ሕጂዶ እቲ ሕቶ ይጐልሕን ኣይጐልሕን ግና ሓቢርካ ዝረአ እዩ። ብወገና ህዝቢ ልዕሊ ዝጠፍኡ ደቁን ዝባኸነ ሃብቱን ስለዘይብሉ፡ ብኢሳያስ ብዝንገሮ ናይ ሓሶት ናይ ግዳያት ኣሃዝ ከይተዳዓዓሰ፡ ኣብ ቃልዕ ወጺኡ ድምጹ ከስምዕ ይግበኦ ንብል። ብውሕዱ እቲ “ንዝሓለፈ ዕስራ ዓመታት ዘቤታዊ ጉዳይና ከይንዓምም ኣብ ትሕቲ ስግኣት ወያነን ኣሜሪካን ኢና ጸኒሕና” ብዝብል ተሓቢእሉ ዝጸንሐ በዓቲ፡ በቲ ባዕሉ “ንወያነ ሓደጋ ናብ ዘይትኾነና ደረጃ ኣውሪድና ኢና” ዝበሎ ከም ዝተቓለዐ ፍሉጥ እዩ።
እዚ ቅልውላው ድሕሪ ውግእ፡ ኣብቶም ካለኦት ክዋስኡ ዝጸንሑ እውን ብጋህዲ ይረአ ኣሎ። ኣብ ፈደራል መንግስቲ ኢትዮጵያ፡ በቲ ሓደ ወገን ኣብ ክልል ኦሮሞ መመሊሱ ዝልሕም ዘሎ ውግእ፡ በቲ ካልእ ወገን ድማ ኣብ መንጎ ኦሮሞን ኣምሓራን ዝምዕብል ዘሎ ምፍጣጥ ሓደገኛ ናይ ድሕሪ ውግእ ቅልውላው መርኣያ እዩ። ነቲ ፖለቲካዊ ምስሕሓብ ተኸቲሉ፡ ኣብ ኦርተደኩሳዊት ቤተክርስትያን ኢትዮጵያ ዝረአ ዘሎ ሓደገኛ መንግስታዊ ኢድ ኣእታውነት ዘጋደዶ ናዕቢ ተወሲኽዎ፡ እቲ ናይ ድሕሪ ውግእ ቅልውላው ኣብ ኢትዮጵያ ይዓርግ ከም ዘሎ ዘርኢ እዩ።
ኣብ ክልል ትግራይ ካብ ናይ ዝተወሰኑ ወገናት ምቅዋም ንውዕል ሰላም ደቡብ ኣፍሪቃን ኬንያን ጀሚሩ፡ ሓያሎ ናብ ሓያል ቅልውላው ድሕሪ ውግእ ዘምርሑ ዘለዉ ዝመስሉ ርሱናት ሕቶታት ይለዓሉ ኣለዉ። “ትግራይ ድሕሪ ሕጂ ከመይ እያ እትቕጽል?” ኣብ ዝብል፡ ነብሳ ዝኸኣለት ሃገርዶ ትኹን፡ ኣካል ኢትዮጵያ ኮይና ትቐጽል?፡ ህወሓትን ከም ውድብን መሪሕነታን ይቕጽሉዶ ኣይቐጽሉ?፡ ትግራይ ትምረሓሉ ስነ-ሓሳብ ከምቲ ዝጸንሓቶ ሰውራዊ ዲሞክራሲዶ ናብ ኣብ ናጻ ዕዳጋ ዝተሰረተ ምዕራባዊ ዲሞክራሲ ትሰጋገር?፡ ኣብ ትግራይ ምጽናት ዓሌት ተፈጺሙዶ ኣይተፈጸመን እንተተፈጺሙኸ መሪሕነት ህወሓት ኣካል ናይቶም ዝሕተቱ ድዩ ኣይፋሉን? ……… ወዘተ፡ ዝብሉ ሕቶታት ይባርዑ ኣለዉ። ምናልባት እውን እዚ ንህወሓት ናብቲ ብ2001 ዘጋጠማ ምክፍፋል ከይሸማ ናይ ብዙሓት ወገናት ስኽፍታን ስግኣትን ኮይኑ ዘሎ እዩ።
ኣብዚ ኩነታት፡ ኤርትራዊ ሓይልታት ለውጢኸ፡ ካብቲ ብሰንኪ እቲ ውግእ ዘስዓቦ ናይ ኣተሓሳስባ ፍልልያት ተረሓሒቕዎ ዝጸንሐ ተመሊሱ፡ ኣብዚ ናይ ድሕሪ ውግእ ቅልውላው ብኸመይ ሓቢሩ ክዋሳእ ከም ዝግበኦ ብጽሞናን ብህዝባዊ ሓላፍነትን ክሓስበሉ ኣብ ዝግበኦ እዩ ዘሎ።
ርእሰ ዓንቀጽ ሰዲህኤ
ምእታው ሰራዊት ኤርትራ ናብ ውግእ ትግራይ፡ ህግደፍ ክሓብኦ ምስምስ ይፈጥር ስለ ዝነበረ፡ ንዝተወሰኑ ወገናት የጋጊ ነይሩ እዩ። እንዳፈለጡ ከምዘይፈልጡ ኮይኖም ጓይላ ህግደፍ ዘዳምቑ መዳኸርቲ’ውን ነይሮም’ዮም። እቲ ኩነታት ልዕሊ ናይ ህግደፍ ናይ ምሕባእን ምትላልን ዓቕሚ ምስ ኮነ ግና፡ እቲ ሓቂ ተጋሂዱ። እቶም “ሰራዊትና ካብ ዶብ ኣይሓለፈን” ክብሉ ዝጸንሑ’ውን ዘይስገር ዓቐበት ምስ ኮኖም፡ ምእታዉ ተኣሚኖምስ፡ ነቲ ተረኽቦ ምኽኑይ ከምስልዎ ዘይፈንቀልዎ እምኒ ኣይነበረን። እንተኾነ ምኽንያታቶም ሓቅነት ስለዘይነበሮ ተቐባልነት ኣይረኸበን። ህግደፍ ግና ብዘይካቲ ኣቐዲሙ “ወያነ ጸወታኣ ተወዲኡ” ዝበሎ፡ ካብ ጥውይውይን ጉቦጎቦ ምኻድን ሓሊፉ ኣግሂዱ “ኣብ ውግእ ትግራይ ኣትየ” ኣይበለን። እዚ ድማ መእተዊኡ ምኽንያት ካብ ቅርሕንትን ሕዱር ጽልእን ሓሊፉ፡ ካልእ ኣብ ቅድሚ ህዝቢ ኤርትራን ሕብረተሰብ ዓለምን ተቐባልነት ከምዘይነበሮ እዩ።
ህግደፍ በቲ ሓደ ወገን ኣብ ትግራይ ምጽናሕ ምስ ኣስገኦ፡ በቲ ካልእ ወገን ድማ ብዝተፈላለዩ ምዕራባዊ መንግስታት፡ ማዕከናት ዜናን ዓበይቲ ፖለቲካዊ ትካላትን ንክወጽእ ዝቐረቦ ተጽዕኖታትን መጠንቀቕታን ክጻወሮ ስለ ዘይከኣለ “ክወጽእ እየ” ክብል ተገዲዱ። እንተኾነ ብግብሪኸ “መሊኡ ወጺኡ ድዩ ኣይፋሉን?” ንዝብል፡ ጌና ኣብ ኣተገባብራ መስርሕ ስምምዕ ሰላም ኢትዮጵያ-ትግራይ ኣዛራብን ዓንቃፍን ኮይኑ ዘሎ እዩ። እቲ ዘገርም ወዮ “ኣትየ” ክብል ዘይደፈረን ዘይሓበረን ሸፋጢ ጉጅለ “ይወጽእ ኣለኹ’ሞ ኣዳምቑለይ” ዝብል፡ ኣብ ባይታ ምስ ዘሎ ሓቂ ዘይሰማማዕ ጭረሖታት እናቃለሐ መደንዘዚ ድራማ ክሰርሕ ምፍታኑ እዩ። ኣብዚ ኩነታት ህዝቢ ኤርትራ፡ “ምእታውካ ብግሉጽ ዘይነገርካናስ ከመይ ጌርካ ደኣ ይወጽእ ኣለኹ’ሞ ዓልሉለይ ትብለና” ክብሎ ምተገብአ። እንተ ህግደፍ ህዝቢ ኤርትራ ከምዚ ዝኣመሰለ መስቀላዊ ሕቶ ከም ዘይሓትት ገይሩ ከም ዘደንዘዞ ስለ ዝርዳእ እዩ ንከዕሽዎ ዝደፍር። ህዝቢ ኤርትራ ኣፍ ኣውጺኡ ዘይምሕታቱኳ ዘተሓሳስብ እንተኾነ፡ ብልቡ ግና ነቲ ናይ ህግደፍ ሸንኮለል ከምዘይቅበሎ ፍሉጥ እዩ። እቲ ዘገርም ናይ ህዝብስ ደሓን እቲ ካብቲ ህዝቢ ብዝሓሸ ዝተወደበን ናይ ምግዳድ ዕጥቂ ዝውንን ሰራዊት ኤርትራ ሎሚ’ውን፡ “ኣበይ እየ ጸኒሐ፡ ስለምንታከ?” እንተዘይኢሉ መስደመም ዝኸውን እዩ።
ናይ ህግደፍ ምስ ሰራዊት ፈደራላዊ መንግስቲ ኢትዮጵያን መሊሻ ክልል ኣምሓራን ተሻሪኽካ ናብ ውግእ ትግራይ ናይ ምእታው ዕላማ፡ ንህዝባዊ ወያነ ሓርነት ትግራይ (ህወሓት) ካብ ገጽ ምድሪ ንምጥፋእ ምንባሩ ባዕሉ ክፍክረሉ ዝጸንሐ እዩ። እሞ ሕጂ ዝወጽእ ዘሎኸ ነቲ ዕላማይ ዝበሎ ከምቲ ዘጉባዕበዖ ዘሎ፡ “ኣረጋጊጽዎ ድዩ ኣየረጋገጾን? ንዝብል ሕቶ፡ መልሱ ብዘይውልውል “ከርጋግጾ ኣይካኣለን” እዩ። ምኽንያቱ ህወሓት ብዘርኣዮ ጽንዓት ህያው ኮይኑ ናብ መድረኽ ሰላም ተሰጋጊሩስ፡ ናይ ድሕሪ ውግእ ዋኒኑ ከሰላስል ኣብ ሓድሽ ምዕራፍ ቃልሲ ኣትዩ ስለ ዘሎ። እቲ ሓቂ እዚ እናሃለወ፡ “ተዓዊትና ወጺእና” ኢልካ ከበሮ ሓምሓም ምውቃዕ ስዕረትካን ፍሽለትካን ክትሓብእ ካብ ምፍታን ሓሊፉ ካልእ ትርጉም የብሉን።
ኣብ ትግራይ ኣብ ዝተኻየደ ውግእ ኣስታት 254 ሺሕ ወተሃደራት ኢትዮጵያ ከም ዝሞቱ ኣብዚ ቀረባ ግዜ ናይታ ሃገር ሰራዊት ሓላቓ ስታፍ ከም ዝሓበረ ማዕከናት ዜና ገሊጸን። ምጽራይኳ ዘድልዮ እንተኾነ ብሰንኪቲ ውግእ ልዕሊ ፍርቂ ሚልዮን ተጋሩ ከም ዝሞቱ ዝሕብሩ ጸብጻባት ብተደጋጋሚ ክወጹ ጸኒሖም። ኣብዚ ከቢድ ህልቂት ዘኸተለ ውግእ ተዋሳኢ ካብ ዝነበረ ሰራዊት ኤርትራ ክንደይ ከም ዝሞተ፡ ዛጊት ብህግደፍ ዝተገልጸ የለን። ንመጻኢ’ውን ሓቀኛ ኣሃዝ ከቕርብ እዩ ኢልካ ትጽበዮ ኣይኮነን። ሓሓሊፎም ዝጥቀሱ ዘለዉ ኣሃዛት ግና ኣዝዮም ዘሰንብዱ እዮም። ምናልባት ህግደፍ ካብ ተሓታትነት ንምድሓን ኣብ ጐደናታት ናይ መካይን ጥሩንባታት ብምቅላሕኳ ክኸዋውሎ እንተፈተነ፡ እንዳ ኩሉ ስድራቤታት ኤርትራ ክኩሕኩሕ ስለ ዝኾነ ኣይክሕባን እዩ።
ህግደፍ ብዋጋ ጉልበትን ህይወትን ኤርትራዊ መንእሰይ ረብሓ ምኽዕባት መለለይኡ እዩ። ኣብ ውግእ ትግራይ ህይወት መንእሰያት ብምኽፋል፡ ንክከሓስ ላዕልን ታሕትን ይብል ከም ዘሎ በብኹርናዑ መዛረቢ ኮይኑ ዘሎ ዛዕባ እዩ። ድሮ ዕርቡን ተቐቢሉ ዝብሉ ወገናት እውን ኣለዉ። ኣብ ዶባት ኤርትራን ትግራይን ዕንይንይ የብልዎ ካብ ዘለዉ ምኽንያታት ሓደ እቲ ዝሓተቶ ካሕሳ መሊኡ ክሳብ ዝኽፈሎ እዩ ዝብል ግምት ዘለዎም ተዓዘብቲ ብዙሓት እዮም። እዚ ህግደፍ ዝጽበዮ ዘሎ ዋጋ ደም ኤርትራውያን መንእሰያት፡ “ናብታ ብሰንክቲ ውግእ በዓል ቤታ፡ በዓልቲ ቤቱ፡ ወዳ፡ ጓላ፡ ሓዋን ካልእ ኣባል ቤተሰባን ዝሰኣነት ኤርትራዊት ስድራቤትከ ክበጽሕ ደኾን ይኸውን?” ኢሎም ዝሓቱ ብዙሓት እዮም። ብመንጽር ናይ ቅድሚ ሕጂ ኣሰራርሓን ተመኩሮን ህግደፍ መልሱ “ኣይፋሉን” ከምዝኸውን ተገማቲ እዩ።
ሰልፊ ዲሞክራሲ ህዝቢ ኤርትራ (ሰዲህኤ)፡ ድሕሪ ምጅማር እቲ ደማዊ ውግእ ትግራይ ከይደንጐየ፡ “ …… ሰራዊት ኤርትራ፡ ነቲ ዝተሰለፈሉ ድሕነት ህዝቡን ልዑላውነት ሃገሩን ኣብ ክንዲ ዝከላኸል፡ ካብ ሃገሩ ወጻኢ መዝሓል ጥይት ኰይኑ ይመውትን ይቘስልን ኣሎ። ስለ’ዚ ማእከላይ ባይቶ ሰዲህኤ፡ ብሓደ ወገን እቲ ሰራዊት ባዕሉ ካብቲ ኣትዩዎ ዘሎ ዘይቅኑዕ ውግእ ነብሱ ከውጽእ ክጽዕር፡ ብኻልእ ወገን ድማ፡ ህዝቢ ኤርትራ እዞም ኣብ ዘይምልከቶም ውግእ ተኣጒዶም ዘለዉ ደቁ ብዝቐልጠፈ እዋን ናብ ሃገሮም ክምለሱ ብኹሉ ዝከኣሎ መንገድታት ክቃለስ ጻውዒትና ነቕርብ። “ ኢሉ ነይሩ።
ህዝብን ሰራዊትን ኤርትራ ካብ መጀመርያ፡ “ኣብ ዘይምልከትና ውግእ ኣይንኣቱን” እንተዝብሉ ክንደይኳ መመልከዓሎምን ካብ ክሳራን ጣዕሳን መደሓኑን። ሎሚ ህግደፍ ዘጥፈአ ምስ ኣጥፈአ ከይፈተወ ምውጽኡ፡ ካብ ተወሳኺ ህልቂት ዘድሕን እኳ እንተኾነ፡ በቲ ዝፈጸሞ ካብ ናይ ውግእ ገበን ተሓታትነትን ጥልመትን ዘድሕኖ ግና ኣይኮነን። ብፍላይ ሰራዊት ኤርትራ፡ ኣብ ክንዲ ብናይ ህግድፍ ዝሓለፈ ግጉይ ስብከት ተመኲሩ፡ “ደጊም ንኤርትራን ህዝባን ናብ ዘየርብሕ ውግእ ኣይኣቱን እየ” ዝብል፡ ተዀብኲቡ ናብቲ ውግእ ኣትዩ ግዳይ ምዃኑ ኣብ ትዕዝብቲ ኣውዲቕዎ እዩ። ሕጂ’ውን ካብዚ እንተዘይተማሩ፡ ህግደፍ ካልእ ውግእ ክቕይስ ምዃኑ ዘርእዩ ምልክታት ከምዘለዉ ክዝንግዕ ኣይግበኦን።
ሰልፊ ዲሞክራሲ ህዝቢ ኤርትራን ትካላዊ ኣሰራርሓኡን
Wednesday, 25 January 2023 11:20 Written by EPDP Information Officeርእሰ-ዓንቀጽ ሰዲህኤ
ሰልፊ ዲሞክራሲ ህዝቢ ኤርትራ (ሰዲህኤ)፡ “ንቅዋማዊ ምሕደራ፡ ንዲሞክራስን ምዕባለን ንቃለስ!” ኣብ ትሕቲ ዝብል መሰረታዊ ሓሳብ ዝቃለስ፡ ኣብ ደንበ ለውጢ ኤርትራ ኣውንታዊ ግደ ዝጸንሖን ዘለዎን ሰልፊ እዩ። ሰዲህኤ ኣብ ኤርትራ ዘሎ ሱር ዝሰደደ ጭቆና ኣወጊድካ፡ ልዕልና ህዝቢ ዝቕበል፡ ብቅዋም ዝምራሕ፡ ኣብ ብዙሕነት ዝተመስረተ፡ ዲሞክራስያዊ መንግስቲ ክምስረት ይካየድ ኣብ ዘሎ ጻዕሪ፡ በዓል ሃብታም ተመኩሮ እዩ። እዚ ሰልፊ ብቕዋማውን ዲሞክራስያውን ትካላት ንክውንነት ሕብረተሰብና፡ ታሪኹን ዝሓለፈ ተመኩሮን ኣብ ግምት ዘእቱ፡ ቀንዲ ድማ ንመጻኢ ዘማዕዱ ፖለቲካዊ ውዳበ እዩ።
ሰልፊ ዲሞክራሲ ህዝቢ ኤርትራ፡ ኣብ ቅዋሙ ብዘስፈሮ ሕግታትን ክብርታትን መሰረት ዝጐዓዝ ሰልፊ እዩ። ኣብ ነፍሲ ወከፍ 4ተ ዓመታት ድማ ስሩዕ ጉባአኡ የካይድ። ኣብ ጉባአኡ ንኹለ-መዳያዊ ኩነታት ኤርትራን ህዝባን ኣብ ግምት ዘእተወ፡ ዕማማቱ ዘነጽር ፖለቲካዊ መደብ ዕዮን መደባቱ ኣብ ምትግባር ዝምረሓሉን ዝቕየደሉን ዲሞክራሲያዊ ማእከላውነት ዘንጸባርቕ ሰልፋዊ ቅዋምን የጽድቕ። ከምኡ ድማ ብፍሉይ ኣብ ዝረኣዩ መድረኻዊ ፖለቲካዊ ዛዕባታት ዘተኩር ፖለቲካዊ ውሳነታት ይውስን። ኣብ መንጎ ክልተ ጉባአታት ሓላፍነት ዝወስድ መሪሕነት ብዲሞክራሲያዊ ኣገባብ ይመርጽን ሰልፋዊ ትካላት የቕውምን።
ብመንጽርዚ ኣብ ዝመጽእ ዘሎ ወርሒ ሓምለ 2023፡ 4ይ ስሩዕ ጉባአ ሰዲህኤ ክጋባእ ኣብ ምድላው ይርከብ። ነዚ ድሕሪ ሓያል ዕጽዋ ኮቪድ-19 ዝካየድ ጉባአ ንምድላው፡ ብማእከላይ ባይቶ ዝተመዘት ኣሰናዳኢት ሽማግለ ትሰርሕ ኣላ። እዛ ሽማግለ ነብሳ ኣብ ንኡሳን ሽማግለታት ከፊላ፡ ኣብ ምስንዳእ ናብ ጉባአ ዝቐርቡ ንድፊ ሰነዳት፡ ናብ ጉባአ ብቐጥታን ካብ መሰረታት ብዲሞክራስያዊ ምርጫን ዝሳተፉ ኣባላት ጉባአ ኣብ ምንጻርን ነቲ ጉባአ ዘድሊ ቁጠባን ዝተፈላለዩ ቀረባትን ኣብ ምድላው ስረሓታ ተሰላስል ኣላ። ተልእኮ’ዚ ጉባአ ኣብ ጸቢብ ሰልፋዊ ራኢ ጥራይ ዝድረት ዘይኮነስ ኣገደስቲ ኤርትራዊ ዛዕባታት’ውን ዝድህስስ ስለ ዝኾነ፡ መጻኢ ብሩህ ተስፋ ኤርትራ ዝብህጉ ግዱሳት ኤርትራውያን ኣብ ምዕዋቱ ብሓሳብን ግብርን ክድግፉ ጸዋዒትና እዩ።
ሰዲህኤ፡ ነቲ መሪርን ነዊሕ ቃልሲ ህዝቢ ኤርትራ ምእንቲ ናጽነት ካብ ዘዕወትዎ ምስጢራት ሓደ ሓድነት ህዝቢ ኤርትራ ምዃኑ ይኣምን። ሓድነት ህዝቢ ኤርትራ ኣብዚ ሎሚ ኣንጻር መሪር ጭቆና ህግደፍ ንመሰረታዊ ለውጢ ነካይዶ ዘለና ቃልሲ እውን ግደኡ ወሳኒ ምዃኑ ይግንዘብ። ካብዚ ነቒሉ ድማ ኤርትራዊ ብዙሕነት ብዘኽብር “ምዕቃብ ሓድነት ህዝብን መሬትን ኤርትራ” ከም ኣገዳሲ መርሆኡ ሒዙ ይቃለሰሉ። ከም መግለጺ ናይዚ ኣገዳሲ መርሆ ድማ ኣብዚ ነካይዶ ዘለና ቃልሲ እንተ ተኻኢሉ ምሉእ ሓድነት ፖለቲካዊ ውዳበታት፡ እዚ ኣብ ዘይከኣለሉ ድማ ናይ ለውጢ ሓይልታት ብሓባር ዘቃለስሉ መድረኽ ምፍጣር ዘይስገር ምዃኑ ይግንዘብን ንምዕዋቱ ከይተሓለለ ይሰርሕን። ኣብ ዝኾነ ኤርትራዊ ኣጀንዳ ዝለዓለሉ መድረኻት ናይ ምስታፉ ትርጉም ከኣ እዚ እዩ።
ሰዲህኤ፡ ከም መርኣያ ኣብ ሓደነትን ሓቢርካ ምስራሕን ዘለዎ ጽኑዕ እምነት፡ ብ4 ሓምለ 2017 ዘውጸኦ እማመ ሓድነት ፖለቲካዊ ሓይልታት ኤርትራ፡ “……ኣብ ዘለናዮ እዋን ንእንገብሮ ሓባራዊ ስራሕ መበገሲ መትከላት ክዀናና ዝኽእላ ምዃነን ምግንዛብ ዕዙዝ ኣገዳስነት ኣለዎ። ንሳተን ከኣ፦
1. ምዕቃብ ልኡላዊ ግዝኣት ኤርትራ፤
2. ምውዳቕ ዲክታቶርያዊ ስርዓት ህግደፍን ምልጋስ መሓውራት ጭቆናኡን፤
3. ድሕሪ ውድቀት ስርዓት ህግደፍ ኣብዝሓ ሰልፋዊ ስርዓት ዝሰረቱ ህዝባዊ ዲሞክራስያዊ ስርዓት ምቛም፤
4. ግዝኣተ ሕግን ዲሞክራስያዊ መሰላትን መላእ ሓርነታትን ህዝቢ ምቕባል፤ ዝብላ ኢየን።
ንሕሉፍን ህሉውን ተሞክሮ ሓባራዊ ስራሕ ዝርዝር ኣቢልና ክንርእዮ ከለና፡ ክሳብ ሕጂ ተፈጢሩ ዘሎ ምትእኽኻባት፡ ዋላኳ ኣውንታዊ ጐኒ ከምዘለዎ ንኣምን እንተዀና፡ ንኹሉ ደምበ ተቓውሞ ክእከብ ከምዘይከኣለ ግን ክንእመነሉ ዘለና ሓቂ እዩ። ንደምበ ተቓውሞ ንምሕያል ዝሰራሕናዮ ምጽንባራት ይኹን ጽላላት ሎሚ ንቐጻሊ ሓባራዊ ስራሕና ኣሳላጥቲ እምበር ዓንቃፍቲ ክዀኑ ኣይግብኦምን……።” ዝብል ይርከቦ። እዚ እማመ ናይ ጉባአ መሰረታዊ ፖለቲካዊ ውሳነ መሰረት ብምግባር ዝወጸ እዩ።
መሰረታዊ ዕላማ ሰዲህኤ፡ ኣብ ውሱን መድረኽ ዝድረት ዘይኮነ፡ ዝሓለፈ ተመኩሮ ቃልሲ ከይዘንገዐ፡ ህልዊ ኩነታት ኣብ ግምት ኣእትዩ ዝያዳ ናብ መጻኢ ዘማዕዱ እዩ። ብመንጽር ኣሰራርዓ ቀዳምነት ናይ ቃልሲ ድማ፡ እዘን ኣቐዲመን ዝተጠቕሳ ኣርባዕተ ነጥብታት ቅድሚት ዘስፈረ እዩ። ሰዲህኤ እዞም ነጥብታት ንኹሎም ሓቀኛ ኤርትራዊ ናይ ለውጢ ሓይልታት ዘሰማምዑ እዮም ዝብል እምነት ኣለዎ።
ፖለቲካዊ መደብ ዕዮ ሰዲህኤ ንዝተፈላልዩ ኤርትራዊ ብዙሕነት ልዑል ኣቓልቦ ዝህብ ሕብረ-ብሄራዊ እዩ። ኣብ ርእሲዚ ብሓፈሻ ናይ መንነት ፍልልያቱ ተዓቂቡ፡ ናይ መላእ ህዝቢ ኤርትራ ናይ ቃልሲ ተሳትፎ የተባብዕ፡ ብፍላይ ከኣ ንግደ መንእሰያትን ደቂ ኣንስትዮን ልዑል ግምት ይህብ። ንጉዳያት ደቂ ኣንስትዮን መንእሰያትን ዝምልከቱ ኣብያተ-ጽሕፈት፡ ነብሶም ክኢሎም ካብቶም ትሻዕተ ኣብያተ-ጽሕፈት ፈጻሚ ሽማግለ ከም ዝኾኑ ምግባሩ ከኣ ነዚ ዝመልክት እዩ።
ሰዲህኤ፡ ሎሚ ኮነ ኣብ መጻኢ፡ ዝምድና ኤርትራ ምስ ናይ ርሑቕን ጐረባብትን ሃገራት፡ ኣብ ሰላም፡ ምክብባርን ናይ ሓባር ረብሓን ዝተመስረተ ክኸውን ከም ዝግበኦ ይኣምን። ኣብ ጉዳይ ኢትዮጵያን ክልል ትግራይን፡ “….. ብፍላይ፡ ምስ ጐረባብትና ሃገራት ዝህልወና ዝምድና ኣብ ሓባራዊ ዕብየትና ኣገዳሲ ግደ ክጻወት ስለ ዝኽእል፡ ልዑላውነት ሕድሕድ ብምኽባር፣ ኣብ ሕድሕድ ጣልቃ ብዘይምትእትታው፡ ንሰላምን ቁጠባዊ ዕብየትን ብሓባር ክንስርሕ ይግባእ።“ ካብ ዝብል ኣብ መደብ ዕዮ ሰልፊ ዝሰፈረ ተመርኲሱ ዝወሰዶ መርገጽ ብመንጽር’ዚ እምነቱ ዝረአ እዩ
ኣሰራርሓ ሰዲህኤ ኣብ ኩሉ ጽፍሕታት፡ ኣብ ትካላውን ሓባራውን ዝተመስረተ እዩ። ካብ ጠቕላሊ ጉባአ ጀሚርካ ክሳብ ጨናፍር ዘሎ ትካላዊ ጽፍሕታት፡ ቅዋም ብዝህቦም ሓላፍነታት፡ ምስ ልዕሊኦምን ትሕቲኦምን ዘለዉ ደረጃታት እንዳተናበቡ፡ መምርሕታት እንዳተቐበሉን ጸብጻባቶም እናቕረቡን ይሰርሑ።
ርእሰ ዓንቀጽ ሰዲህኤ
ስደት ኤርትራውያን ካብ 60ታት ዝጀመረ ክሳብ ሕጂ ዘይዛረየ ዋሕዚ እዩ። ስደት ዝተፈላለዩ ጠንቅታት ዘለዉዎ ኮይኑ፡ ጠንቂ ስደት ኤርትራውያን ከኣ ቅድም ተኸታታሊ ወጽዓ ባዕዳውያን ገዛእቲ ክኸውን እንከሎ፡ ድሒሩ ድማ ዘቤታዊ ጭቖናን ግፍዕን ህግደፍ እዩ። ስደት ኤርትራውያን ብሓፈሻ ናብ ጐረባብቲ ሃገራት፡ ብፍላይ ድማ ናብ ሱዳን እዩ ነይሩ። ሎሚ ግና “ኤርትራዊ ስደተኛ ዘይረገጻ ሃገር የለን” ክሳብ ዝበሃል፡ ኣብ መላእ ዓለማ ተበቲኑ ኣሎ። ዝተፈላለዩ ግዱሳት ወገናት፡ ብዝሒ ኣብ ዓድን ስደትን ዘሎ ኤርትራዊ ማዕረ እዩ ክብሉ እንከለዉ፡ ነቲ ኣብ ስደት ዘሎ ዘብዝሕዎ’ውን ኣለዉ።
ጠንቂ ስደት ኣብ ገዛእ ሃገርካ ዘየንብር፡ ፖለቲካዊ፡ ጸጥታውን ማሕበረ-ቁጠባውን ጸገም ከጋጥም እንከሎ እዩ። ስደት ግዝያዊ መዕገስን መድሓኒ ህይወትን እምበር፡ መሰረታዊ መፍትሒ ናይቲ ጸገም ከምዘይኮነ ዝተረጋገጸ እዩ። ጠንቅታት ስደት ንምውጋድን መሰረታዊ መፍትሒ ንምርካብን ኣብ ዝግበር ቃልሲ፡ ናይቶም ግዳያት ስደት ብጽሒት ዓብይ ግምት ዝወሃቦ እዩ። ኤርትራውያን ስደተኛታት ከካብ ዝነበርዎ ኩርነዓት ዓለም፡ ኣብ ግዜ ቃልሲ ንናጽነት ዘበርከትዎ ሰብኣውን ንዋታውን ኣበርክቶን ተሳትፎን ኣብ ዓወት ንምብጻሕ ዝነበሮ ግደ ህያው እዩ። እዞም ስደተኛታት ድሕሪ ናጽነት ናብ ዓዶም ክምለሱ እሞ፡ ጻማ ቃልሶም ሃገሮም ክሃንጹን ቀሲኖም ክነብሩን ናይ ኩሉ ደላይ ሰላም ትጽቢትን ሃረርታን ነይሩ። እንተኾነ ድሕሪ ናጽነት እውን ብኣንጻሩ ኮይኑ፡ ዋሕዚ ኤርትራውያን ናብ ስደት ብተዓጻጻፊ ወሲኹ። እዚ ግምጥሊሽ ተረኽቦ ኣብ ተመኩሮ ካለኦት ኣይተራእየን። ምናልባት ሳሕቲ እንተኣጋጠመ እውን ከምዚ ኣብ ኤርትራ ዝተራእየ ናይ ፍልሰት መልክዕ ዝሓዘ ኣይኮነን።
ስደት መሬትካን ተወሊድካ ዝዓበኻሉ መረበትካን ጥራይ ኣይኮነን ዘስእነካ። ነቲ ኣብ ሃገርካ እተስተማቕሮ ክቡር ባህልኻ፡ ቋንቋኻ፡ ልምድኻ፡ እምነትካን ቤተሰብካን እውን ዘስእን እዩ። ስደት ደረጃታት ኣለዎ። እቲ ዝኸፈአ እቲ ኣብ ድኻታትን ድሕነተንን ድሕነት ስደተኛታት ዘይሕልዋን ሃገራት፡ ኣብ መደበራት ዝሓለፍ ናብራ እዩ። ኣብ ከም’ዚ ዝኣመሰለ መደበራት ስደተኛታት፡ መግቢ፡ ሕክምና፡ ትምህርትን ካልእ መሰረታዊ ቀረብን ጥራይ ኣይኮኑን ዝስእኑ። ሰብኣውነቶም እውን ኣብ ሓደጋ እዩ ዝኣቱ። ኣብዚ እዋንዚ ኣብ መደበር ስደተኛታት፡ ሱዳን፡ ኢትዮጵያን ጅቡትን ዘለዉ ኤርትራውያን ዝሕልፍዎ ዘለዉ ናይ ሞትን ሕየትን ህይወት ናይዚ ኣብነት እዩ። ዋላኳ ኣብ ዝሓሸ ሃዋህው ስደት ኣብ ዓውዲ ቁጠባ ይኹን መኣዲ ትምህርቲ ዝዕወቱ ስደተኛታት እንተለዉ፡ ኩሉቲ ዝረኸብዎ መንፈሳውን ነገራውን ጸጋታት ነቲ ናይ ሃገሮም ክብሪ ዝገዝእ ግን ኣይኮነን። እዚ ማለት በቲ ዝረኽብዎ ዕድል ናይ ሃገሮም ምቓረትን ክብርን ክገዝኡ ኣይክእሉን እዮም። እዚ እዩ ከኣ ኣብ ትሕቲ ዝኾነ ይኹን ኩነታት፡ ስደት ግዝያዊ መዕገሲ እምበር መሰረታዊ መፍትሒ ኣይኮነን ዘብል።
ናይ ስደት ሕማቕ መነባብሮ ንምብዳህ፡ ናይቲ ስደተኛ ኮይንካ እትነብረሉ ሃገርን ህዝብን ባህርያትን መነባብሮን ምግንዛብን ምኽባርን ናይ ግድን እዩ። ናይቲ ሃገር መንግስቲ ዝምረሓሎም ሕግታትን ዘውጸኦም መምርሕታትን ምርዳእን ካልእ ግደታ እዩ። እቲ ኣብ ሃገርካ ከይፈተኻ ገዲፍካዮ ዝተሰደድካ መንፈሳውን ነገራውን ጸጋታት ናብ ዓዲ ስደት ኣይስዕበካን እዩ። ኣብ ክንድኡ ኣብኡ ክሳብ ዘለኻ፡ ናይቲ ከም ስደተኛ እትነብረሉ ሃገር ኩለ-መዳያዊ ኩነታት ምርዳእን ምልማድን የድሊ። ሓሓሊፉ ኣብ ዝተፈላለያ ሃገራት ዝነብሩ ኤርትራውያን ስደተኛታት ዘርእይዎ ጉድለታት ድማ ነዚ ካብ ዘይምርዳእ እዩ ዝነቅል። ናብራ ስደት ዝያዳ ምትሕግጋዝ፡ ምትሕልላይን ምድግጋፍን ስለ ዘድሊ፡ ተረኽቦታት ከምቲ ዝኾንዎ እምበር፡ ከምቲ እትደልዮ ክኾኑ ከምዘይክእሉ ምግንዛብ የድሊ። ኣብዚ እዋንዚ ኣብ ዝተፈላለያ ሃገራት፡ ኣብ ኤርትራውያን ስደተኛታት ሓሓሊፉ ዝረአ ሕድሕድ ምጭኽኻን ቀልጢፉ እንተዘይተኣሪሙ ናብ ሕማቕ ከየምርሕን ናብ ኤርትራ ከይልሕምን ዘየስግእ ኣይኮነን። እዚ ናብቶም ዝጋጨዉ ኤርትራውያን መንእሰያት ጥራይ ዝግደፍ ዘይኮነ፡ ኩሉ ደላይ ኤርትራዊ ሕውነትን፣ ሓድነትን ስኒትን ዘገድሶ ክቃለሰሉ ዝግበኦ እዩ።
ስደት ዝያዳ እትቃለሰሉ እምበር ካብ ፖለቲካዊ ተሳትፎ ሃገርካ እትሕበኣሉ ኣተሃላልዋ ኣይኮነን። ታሪኽ ነባራት መደበር ኤርትራውያን ስደተኛታት ኣብ ሱዳንን ካልእ ከባቢታትን ከኣ ሓያል ተሳታፍነትን ጽንዓትን ዘርኣየ እዩ። ኣብዚ ንርከበሉ ዘለና ፖለቲካዊ ሃለዋት ኤርትራውያን መንእሰያት ስደተኛታት ዘርእይዎ ዘለዉ ተሳትፎውን ዝነኣድ እዩ። መንእሰያት ብስደት ኣመኽንዮም ክሃድምሉ ዘይክእሉ ትውልዲ ናይ ምርኽኻብን ምስግጋርን ሓላፍነት ከም ዘለዎም ፍሉጥ እዩ። እዚ ንርከበሉ ዘለና መዋእል ናይ ኣተሓሳስባ ብዙሕነት በሪኽ ቦታ ዝሓዘለ ስለ ዝኾነ፡ ኣብ ስደተኛታት መንእስያት እውን ናይ ኣተሓሳስባ ፍልልያት ከም ዘሎ ንዕዘቦ ዘለና እዩ። ናይ ኣተሓሳስባ ብዙሕነት መማረጺ ናይ ምርካብ ጸጋ ዝኸውን ብሕግን ስርዓትን፡ ብምክኣልን ምጽውዋርን ክግራሕ እንከሎ እዩ። ናይቲ ነዚ ብዙሕነት እተንጸባርቐሉ ባይታ ባህሪ ኣብ ግምት ምእታው እውን የድሊ። ንናይ ኣተሓሳስባ ፍልልያት ናብ ግጭትን ጐነጽን ምዕራጉን ናብ ምዝራግ ሓድነት ህዝቢ ምውሳዱን ግና ኣይኮነንዶ ኣብ ዓዲ ጓና ኮይንካ፡ ኣብ ገዛእ ሃገርካ እንተኾነ እውን ዝምረጽ ኣይኮነን።
ኤርትራውያን መንእሰያት ኣብ ስደት ዘካይድዎ ዘለዉ ቃልሲ ምሉእን ኣድማዕን ዝኸውን፡ ንዝሓለፈ ተመኩሮ ኣፍሪሱ ከም ሓድሽ ክጅምር እንከሎ ኣይኮነን። ኣብ ክንዲ ከምኡ ንዝሓለፈ ተመኩሮን ዝተኸፍለ ዋጋን ግቡእ ቦታ ዝህብ፡ ካብኡ እቲ ከቐጽል ዝኽእል እወንታታት ወሪሱ፡ ኣብ ርእሲኡ እናመለአ ዝሃንጽ ክኸውን ይግበኦ። ከምኡ እንተዘይኮኑ፡ እቲ ድሕሪኡ ዝመጽእ ወለዶ’ውን፣ ነቲ ዝተረከቦ ኣፍሪሱ ከም ብሓድሽ ክጅምር እየ እንተይሉ፡ ኣብ መፈጸምታ ዘየብሉ ምጅማር ምንባር እዩ ዝኸውን። ኣብ ምዕዋትን ዘይምዕዋትን ህልዊ ፖለቲካ ኤርትራ፡ ብዙሕነታዊ ሓድነት ምዕቃብ ዓንዲ ማእከል ዓወት እዩ። ነዚ ብሃይማኖት፡ ኣውራጃን ካልእ ጸቢብነትን ኣዳኺምካ ዝረጋገጽ ዓወት የለን። ስለዚ ጉዳይ ሓድነት ኣብ ነፍሲ ወከፍ ስጉምቲ ግቡእ ኣቓልቦ ክረክብ ይግበኦ።
ኣብዚ እዋንዚ ካብ ዝተፈላለዩ ኩርነዓት ብዛዕባ ኤርትራውያን መንእሰያት ስደተኛታት ዝስምዑ፡ “ነብሱ ቀቲሉ፡ በዓልቲ ቤቱን ደቁን ኣጥፊኡ፡ ንዓርኩ ጐዲኡ” ዝብሉን ዝኣመሰሉን ናይ ጭካነ ተግባራት፡ ቀንዲ ማህሰይቶም ኣብቶም ቀጥታ ግዳያት እዩ። ካብኡ ሓሊፉ ኣብ ልዕሊ’ቶም ዘይወዓልዎ ኤርትራውያን ዘሕድሮ ተጽዕኖ ቀሊል ኣይኮነን። ስለዚ ነዚ ሓደ ካብ መግለጽታት ምረት ስደት ዝኾነ ጨካን ተርእዮታት ኣብ ምውጋድ፡ ኩሉ ኤርትራዊ ኣብ ክንዲ ፍልልያት ምግፋሕ፡ በብዓቕሙን ክእለቱን ንዕርቂ: ሰላምን ስኒትን ክጽዕት ይግበኦ።
ርእሰ ዓንቀጽ ሰዲህኤ
ህይወትን መነባብሮን ህዝቢ ኤርትራ፡ ብሰንኪ ህግደፍ ካብ ነዊሕ ግዜ ጀሚሩ ክሳብ ክንደይ ዝተዘባረቐን ዝተመሳቐለን ኮይኑ ከም ዝጸንሐን ከም ዘሎን ብሩህ እዩ። ከም መግለጺ ናይ ዝተዘባረቐ ህይወቱ ከኣ፡ ገሊኡ ኣብ ዓዲ ገሊኡ ኣብ በረኻ፡ ገሊኡ ኣብ ሃገር፡ ገሊኡ ኣብ ወጻኢን ኣብ ኣብያተ-ማእሰርትን ኮይኑ፡ ብጥሜት፡ ሕማምን ካልእ ጸገማት እናተሳቐየ፡ ራህዋን ቅሳነትን ዝጽበ ዘሎ ህዝቢ እዩ። “ህዝቢ ኤርትራ፡ ኣበይን ኣብ ከመይን ይነብር ኣሎ?” ናይ ዝብል ሕቶ ሓፈሻዊ መልሲ ከኣ እዞም ኣቐዲሞም ዝተጠቑሱ ተርእዮታት ኣመልከቲ እዮም።
ቅድሚ ሕጂ ኣቦታት መራሕቲ ካቶሊካዊት ቤተ ክርስትያን ኤርትራ፡ ናብ ህዝቢ ኤርትራ “ሓውኻ ኣበይ ኣሎ?” ዝብል ንህግደፍ ዘሰንበደ ተባዕ ሕቶ ቀሪቡ ነይሩ። በዚ ሕቶዚ ዘስተንተነኳ ብዙሕ እንተነበረ፡ ንዓኡ ዝምጥን መልሲ ከምዘይረኸበ ግና ፍሉጥ እዩ። እቲ ሕቶ ክሳብ ዘይተመለሰን ንክትሓትት ዝድርኹ ምዕባለታት ክሳብ ዝቐጸሉን ተመሳሳልቲ ሕቶታት ክቐርቡ ናይ ግድን እዩ። ህዝቢ ኤርትራ ብውሽጡ ድምጾም ዘይስምዑ ብዙሓት ዘይተመለሱ ሕቶታት ኣለዉዎ። ሓደ ካብኡ “ሎሚኸ ደቅና ኣበይ ኣለዉ?” ዝብል ከም ዝኸውን ፍሉጥ እዩ። ብሓፈሻ ብሰንኪ ህግደፍ ዘጋጠሙ ምብትታናት ደቁ ነዚ ሕቶ ከቕርብ ደረኽቲ ኮይኖም፡ ናይ ደቁ ኣብ ውግእ ትግራይ ምጥባስ ድማ እዋናዊ ዝያዳ ደራኺ ምኽንያት እዩ። ህዝቢ ኤርትራ ብዛዕባ ከምዚ ዝኣመሰለ ሕቶ ምልዓሉ ቅኑዕ ኮይኑ፡ እቲ ሕቶ ኣብ ኣደባባይ ተቓሊሑ ክሳብ ዝምለስ ሓቢሩ እንተዘይተቓሊስሉ ግና ብውሽጡ ካብ ምድማይ ሓሊፉ፡ ምልኣት የብሉን።
ህዝቢ ኤርትራ ንሱ ሓታታይ ኮይኑ፡ ሓላፍነት ተሰሚዕዎ ዝምልሰሉ መንግስቲ የብሉን። ምኽንያቱ ህግደፍ ሕቶ ህዝቢ ዝምልስ ዘይኮነስ፡ ተመሊሱ ብዛዕባቲ ባዕሉ ዝፈጠሮ ጸገማትን ዕንወትን ሓታታይ ብምዃን ዘደናግር ምዃኑ ደጋጊሙ ኣረጋጊጹ ስለ ዝኾነ። ብሰንኪ ንሱ ዝተኸተሎ ግጉይን ጸዋግን ፖሊሲ፡ መናድቕ ውቅብቲ ከተማ ኣስመራ ሰኣን ጽገና እንዳፈረሰ፡ “እታ ናይ ቀደም ኣስመራ ኣበይ ኣላ?” ኢሉ ንህዝቢ ክሓትትን ከጓጥጥን ዘይሓፍር ደረቐኛ እዩ። እቲ ሓቂ ከምዚ ኣብ ዝኾነሉ፡ ህዝቢ ኤርትራ ባዕሉ እዩ፡ መልሲ ናይ ሕቶኡ ናይ ምርካብ ሓላፍነት ዝወስድ። ከምኡ ስለ ዝኾነ እዩ ከኣ፡ “ሎሚኸ ደቀይ ኣበይ ኣለዉ?”፡ ኢሉ ዝሓትትን ደሃይ ደቁ ንምርካብ ዝሻቐልን።
ህዝቢ ኤርትራ ካብ ናይ ደቁ ኣብ ዘይምልከቶም ውግእ ኣትዮም ኣደዳ ሞት፡ ምምራኽን ኣካል ምጉዳልን ሓደጋ ምውዳቕ ዘጉሂ ዝዓበየ ጉዳይ የብሉን። ምኽንያቱ እዚ ሓደጋዚ ኣብ መጻኢ ህልውናን ቀጻልነትን ኤርትራን ህዝባን ሰላማዊ ጉርብትናን ቀዳማይ ሓደጋ ስለ ዝኾነ። ኣብዚ እዋንዚ ከምዚ ዝኣመሰለ ተሪር ሕቶ ብምቕራቡ ንዝሓለፈ ብርሰትን ጉድኣትን ዝመልሶ’ኳ እንተዘይኮነ፡ ኣብ መጻኢ ብዝኾነ ኣካል ከይድገም ኣብ ምዕጋት ግና ግደ ኣለዎ። እንተ ኢሳያስ ኣፈወርቂ ንመጻኢ እውን ጋና ናብ ዝገደደ ዕንወትን ህልቂትን ይመጣጠር ከም ዘሎ ኩሉ ዝዕዘቦ ዘሎ እዩ፡ ኣብቲ “ወዮ ናታስ ንሓማታ” ከም ዝበሃል ናቱ ናይ ጫካ ኣተሓሳስባ ኣቐሚጡ፡ ንካለኦት “ጐይቶት (lords) ግዝኣተ-ጫካ፡” ዝበለሉ፡ ናይ ሓድሽ ዓመት መደርኡ፡ መጻኢ ዕድል ኤርትራ ኣብ ዝምልከት፡ “ልዕሊ ኩሉ ኸኣ፡ ልምዓታዊ ብድሆታትና’ውን ኪዓቢ ስለዝዀነ፡ ከይተዛነና ንዝሓየለ መኸተ ኣብ እነካይዶ ምድላዋት።” ኣለና በለ። እቲ ኤርትራዊ ሓቂ ግና፡ ቁጽሪ ሓደ ልምዓታዊ ዕንቅፋት ህግደፍ ባዕሉ ምዃኑ እዩ ዘርኢ። ኢሳያስ ኣፈወርቂ ንኹሉቲ፡ ካብ ብዘይሕገመንግስቲ ምግዛእ ጀሚርካ ክሳብ ብዘይፍርዲ ንጹሃት ኤርትራውያን ምቕታል ዝምጠጥ ጨካን ተግባሩ ኣቐሚጡ፡ ንካለኦት ብናይ ጫካ ኣተሓሳስባ ምምሕዳር ክኸስስ እንከሎ፡ ክሳብ ክንደይ ፈውሲ ሕንኪ ዝበለዐን ጉልባቡ ዝቐለዐን ጨካን መላኽዒ ምዃኑ ዘርኢ እዩ።
ህግደፍ ንኢድ ኣእታውነቱ ብሓፈሻ ኣብ ጉዳይ ኢትዮጵያ፡ ብፍላይ ድማ ኣብ ውግእ ትግራይ “ገመል ሰሪቕካስ ጉንብሐጉንብሕ” ከም ዝበሃል፡ ንነዊሕ ግዜ ብምዕጽጻይ ክሓባብኦ ፈቲኑ እዩ። ኣብዚ ቀረባ መዓልቲ ግና ኣብ ሩሲያ ዝርከብ ጴጥሮስ ጸጋይ ዝተባህለ ኣንበሳድሩ፡ ምስቲ ኣዝዩ ተዋቓዕን ጽልኢ ዝዕድምን መግለጺኡ፡ ብዛዕባ ኣወጻጽእኦም ካብ ትግራይ ክዛረብ ተሰሚዑ። ካብቲ ዝተፈላለዩ ዓለምለኻዊ ኣካላትን ሃገራትን ሓላፍነት ተሰሚዕዎም ንህልውና ህግደፍ ኣብ ትግራይ ዓገብ ዝብልዎ ዘለዉ ንምህዳም፡ “ኢትዮጵያ ጥራይ እያ ውጹ ክትብለና እትኽእል” ብዝብል ከመሳምስ ተሰሚዑ። ካብዚ ኣበሃህላኡ ካልእ ገዲፍካ ብውሕዱ፡ ህግደፍ ናብ ትግራይ ሰራዊት ምእታዉ፡ ጌና ኣብ ትግራይ ምህዉን ካብ ትግራይ ክወጽእ ከም ዝግደድን ኣረጋጊጹ። እዚ እቲ ብዶ/ር ኣብይ ኣሕመድ ዓሊ ዝምራሕ ፈደራላዊ መንግስቲ ኢትዮጵያ “ጨኪኑ ውጹ ኣይብለናን እዩ” ካብ ዝብል እምነት ዝነቅል ይመስል። ፈደራላዊ መንግስቲ ኢትዮጵያ ምስ ትግራይ ኣብ ዝኸተሞ ስምምዓትን ካልእ መግለጽታቱን ኣብ ክንዲ ብንጹር ኣግሂዱ፡ “ሰራዊት ኤርትራ ካብ ትግራይ ክወጽእዩ” ዝብል “ናይ ወጻኢ ሓይልታት” ብዝብል እዩ ክኸዋውሎ ዝፍትን። እዚ ድማ ኣብ ትዕዝብቲ ኣውዲቕዎ እዩ። ምርጫኡ ንህግደፍ ኣጸባቢቕካ ምቕራብን ገበናቱ ምኽዋልን ኮይኑ እንተቐጺሉ፡ ከምቲ ድሮ ምልክታቱ ኣብ ክልል ኣምሓራ ዝረአ ዘሎ፡ መጻኢ ኢትዩጵያ ዝኸፈአ ከም ዝኸውን ኣይርደኦንዩ ማለት ግና ኣይመስለናን።
ህላወ ህግደፍ ኣብ ትግራይ፡ ሃሰያኡ ኣብ ልዕሊ ህይወት፡ ክብረትን ንብረቱን ህዝቢ ክሳብ ክንደይ ከቢድ ምዃኑ፡ ዝተፈላለዩ ዘይሻራዊ ወገናት ዝምስክርዎ ዘለዉ እዩ። እቲ ቁማር ብህይወት ደቁን ንብረቱን ይካየድ ስለ ዘሎ፡ ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ኤርትራ ዝወርድ ዘሎ በደልን ሓዲሩ ዘሎ ሻቕሎትን እውን ካብኡ ኣትሒትካ ዝረአ ኣይኮነን። ካብዚ ነቒሉ እዩ ድማ ህዝቢ ኤርትራ “ሎሚኸ ደቀይ ኣበይ ኣለዉ” ፡ ክብል ዝግደድ። ህዝቢ ኤርትራ ምሕታት ጥራይ ዘይኮነ፡ እቲ ጉጅለ ብዝምህዞ ናይ “ኣብ ትግራይ ተዓዊትና ኢና” መጠበሪ ከይተዓሸወ፡ ኣብ ምውጋድ ኣርዑት መግዛእቲ ዘድምዕ ተጽዕኖ ፈጢሩ፡ ንሕቶኡ መልሲ ክሳብ ዝረኽበሉ ንቕድሚት ክደፍእ ናይ ግድን እዩ። ሎሚ’ውን ናይ ሱቕ ምርጫ እንተወሲዱ ግና፡ ካብቲ ህግደፍ ዝበደሎም ብዘይፍለ፡ ብህይወት ደቁ ከም ዘይተገደሰ ከም ዝውሰድ ክዝንግዕ ኣይግበኦን።
ርእሰ-ዓንቀጽ ሰዲህኤ
ጉጅለ ህግደፍ፡ ጸላኢ ህዝቢ ምዃኑ ብዘይካ እቶም ውሑዳት ኣገልገልቱ፡ ኤርትራውያን ዝተረዳድእሉ ሓቂ እዩ። ሓደገኛነት ህግደፍ ብዓብይኡ ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ኤርትራ ዝተጻዕነ ኮይኑ፡ ዞባዊ ታርኡ እውን ዘራጊ እዩ። ወጽዓን ጸረ ህዝቢ ተግባራትን ህግደፍ ኣብ ኤርትራ ጥራይ ዝተደረተ ዘይኮነ፡ ናብ ወጻኢ ክግንፍል ዝጸንሐ ምዃኑ ናይ ቀረባን ርሑቕን ግዳያት ናይቲ ጉጅለ ደጋጊሞም ድከቶም ክሰትይሉ ዝጸንሑ እዩ። ነዚ ሓቂዚ ንምንጻር ጐረባብቲ ሃገራት ቅድሚት ዝስረዓር እየን።
ህግደፍ መሰረታዊ ሕቶ ህዝቢ ዘምልስ ባህርን ቅሩብነትን ስለ ዘየብሉ፡ እቲ ዝመርጾ ስልቲ ካብ ክውንነት ምህዳም እዩ። ከም መግለጺ ህድማኡ ድማ ኣቓልቦ ህዝቢ ኤርትራ ኣብ ክንዲ ናብ ውሽጡ ዝኸውን ናብ ደገደገ ከመዓዱ ዝድርኹ ተበለጽቲ ሸርሕታት ምእላም እዩ። ካብቲ ቀንዲ ጠምዛዚ ስልቱ ከኣ በብግዜኡ ንህዝቢ ኤርትራ ብዘሰክፍ፡ ንጐረባብቲ ሃገራት ከም “ጸረ ልኡላውነት ኤርትራ” ጌርካ ምስኣል እሞ ኣንጻረን ከከም ኩነታቱ ንሓንሳብ ግሁድ ንሓንሳብ ድማ ስዉር፡ ፕሮፖጋንዳውን ወተሃደራውን ወስታታት ምስዋር እዩ። ህዝቢ ኤርትራ ከኣ ብፍላይ ኣብቲ ቅድም ምስቲ ንልኡላውነቱ ዘለዎ ክብርን ናይ ምዕቃቡ ቅሩብነትን እቲ ዝባሃሎ ሓቂ እንዳመሰሎ ምስ ናይ ህግደፍ መሕብኢ ምምሃዝ ክነጉድን ክቡር ዋጋ ክኸፍልን ጸኒሑ እዩ። እናሓደረ እናወዓለ ግና ናይ ህግደፍ ምህዞታት “ተፈታሕካዮስ ቁጻር ጥራይ” ምዃኑ ምስ ተረድአ “ስለምንታይን ክሳብ መዓስን ክተት?” ክብል ክኢሉ።
ብሰንክዚ ተኹታዂ ተግባራት ህግደፍ፡ ግዳይ ካብ ዝኾና ጐረባቲ ሃገራት ሓንቲ ሱዳን እያ። ብተደጋጋሚ ኣንጻራ ሓጸርትን ነዋሕትን ውግኣት ከፊቱ። ነቲ ኣብ ሱዳን ብዕልዋ ናብ ስልጣን ዝመጸ ወተሃደራዊ መንግስቲ ብምቅዋም፡ ሲቪላዊ ምምሕዳር ንምትካል ህዝቢ ሱዳንን ብዙሓት ሓለይቲ ወገናትን ዝረባረብሉ ዘለዉ ጻዕሪ ክዕንቅፍ ፈቲኑ ኣይተዓወተን። ኣብዚ ቀረባ ግዜ ብዘይኣፍልጦ ማእከላይ መንግስቲ ሱዳን፡ ተቓወምቲ ምብራቕ ሱዳን ናብ ኤርትራ ጸዊዑ ውዲት ክኣልም ዝወጠኖ’ውን ኣይተዓወተሉን። ዝምድናኡ ምስ ጅቡቲ ኣብ ደሓን ከምዘየለ ፍሉጥ እዩ። ጌና ክሳብ ሎሚ እውን ካብ ምስሕሓብን ህልኽን ኢዱ ኣይኣከበን። ካብ ሶማሊያ መቃድሾ ቅድሚ ሰለስተ ዓመታት ንክስልጥኑ ናብ ኤርትራ ዝተወስዱ ኣስታት ሓሙሽተ ሺሕ መንእሰያት ናብ ሃገሮም ክምለሱ ኣይፈቅድን ምስ በለ፡ ድሕሪ ናይ ዝተፈላለዩ ወገናት ተጽዕኖን መጠንቀቕታን ተገዲዱ ክመልሶም ጀሚሩ’ሎ። ገለ ካብኣቶም ኣብ ውግእ ትግራይ ኣእትይዎም ዝመቱ ምህላዎም ከኣ ኣዛራቢ ኮይኑ’ሎ። ኣብ ጉዳይ የመን ኢድ ብምእታዉ ብጽቡቕ ዓይኒ ዝረአ ኣይኮነን። ምስ ግብጺ፡ ደቡብ ሱዳንን ኬንያን ዝኣመሰላ ናይዚ ዞባና ሃገራት ዘለዎ ዝምድና እውን ኣብ ዓመጽን ዘይምትእምማንን ዝተመስረተ እዩ።
ኣብ ውግእ ትግራይ ኢድ ከእቱ እንከሎ፡ እቲ ሓደጋ ካብ ትግራይ ዘይሓልፍ ዝመስሎም መራሕቲ ኢትዮጵያ ነይሮም እዮም። ህግደፍ ግና ከምቲ መራሒኡ ኣብ ሓደ ኣጋጣሚ “ጉዳይ ኢትዮጵያ ጉዳይና ስለ ዝኾነ ስቕ ኢልና ንርእዮ ኣይኮነን” ዝበሎ፡ ኣብ ትግራይ ዝሕንክረሉን ዝዘርገሉን ዕድል ምስ ጸበቦ፡ እነሆ ሎሚ ክሳብ ክልል ኣምሓራ ልሒኹ ኣሎ። ሓደገኛነቱ ክሳብ ክልል ኦሮሞ በጺሑ ኢሎም ዝኸሱ ፖለቲካዊ ውድባት ኢትዮጵያ እውን ኣለዉ። እዚ ዘርእየና፡ እቲ ካብ ኤርትራዊ ኣጀንዳ ንክሕባእ፡ ብቐጥታ ኣብዘይምልከቶ ዋኒን ኣትዩ፡ ንኢትዮጵያ ካብ ኢትዮጵያውያን ዝያዳ ከም ዝሓልየላ ተመሲሉ ይሕንክራ ከምዘሎ ዘርኢ እዩ። እቶም “ናይ ግዜ ጸገም መድሓኒና” ኢሎም ዝምርቕዎን ዝንእድዎን ዝነበሩ ኢትዮጵያውያን፡ ሎሚ ንዓኣቶም’ውን ሓደገኛ ምዃኑ ተገንዚቦም፡ ብወግዒ ክረግምዎን ክኹንንዎን ኣብ ዝለዓለ ጫፍ በጺሖም ኣለዉ።
ምስቶም ጉዳይ ኢትዮጵያ ሰላማዊ መንገዲ ኣብ ምትሓዝ ዓብይ ግደ ዝተጻወቱ፡ ኢጋድ፡ ሕብረት ኣፍሪቃን ካለኦት ተዓዘብቲ እቲ መስርሕ ሰላም ዘለዎ ዝምድና ዳርጋ ዘየለ እዩ። መራሒ ህግደፍ በቲ ኣብ ልዕሊ ኤርትራን ህዝባን ዝፍጽሞ በደል ስለ ዝሓፍርን ዝሓንኽን ኣብ ርክብ መራሕቲ ናይዘን ዞባውን ኣህጉራውን ትካላት ዘይሳተፍ ምዃኑ፡ ክሳብ ክንደይ ጽሉእን ንጹልን ኮይኑ ከም ዘሎ ዘመላኽት እዩ። ላዕለዋይ ኮሚሽን ጉዳይ ስደተኛታት፡ ባይቶ ሰብኣዊ መሰል ሕቡራት ሃገራት፡ ዓለምለኸ ኮሚተ ተሓላቒ መሰል ጋዜጠኛታት፡ ሕቡራት መንግስታት ኣሚሪካ፡ ሕብረት ኤውሮጳን ካለኦት ጸለውቲ ትካላትን፡ በብግዜኡ ንኤርትራ ዝምልከት ኣብ ዘውጽእዎ ጸብጻባት፡ ናይቲ ጉጅለ ሓደገኛነት ዘይጠቅስ የለን። ህግደፍ ኣካይድኡ መዚኑ ኣብ ምእራም ዘይኮነ፡ ኣብ ዘይሓላፍነታዊ ህልኽን ሕነ ምፍዳይን ዝነብር ስለ ዝኾነ፡ ኣብ ጉዳይ ዩክረይንን ሩስያን ዝወሰዶ መርገጽን ተመሳሳሊ ተግባራቱን ሓደገኛነቱ፡ ኪኖ ኤርትራ፡ ዞባውን ኣህጉራውን ዘራጊ ከምዝኾነ ኣመስኪሩ እዩ።
ህግደፍ ካብ ሓቀኛ ክውንነት ምርሓቕ ባህሪኡ ስለ ዝኾነ፡ ነቲ ናቱ ዘይህዝባውን ዘይሓላፍነታውን ምርጫ ዝጠንቁ ጸገማት ኤርትራ፡ ናብ ካልኦት ከላግብን “ኣጓንየሙኒ” ብዝብል ከስተማስልን እዩ ዝስማዕ። ዝተፈላለዩ ግዱሳት ወገናት “ኣብ ልዕሊ’ቲ ህዝበይ እትብሎ ግህሰታት ትፍጽም ኣለኻ’ሞ ዓገብ” ክብልዎ እንከለዉ፡ ናብ ውሽጡ ተመሊሱ ኣብ ክንዲ ምምዛንን ብመርተዖ ምምካትን፡ ብዓይኒ ጽልእን ዝርያን እዩ ዝርእዮም። ንኣብነት ቀያድን ናይ መወዳእታን ብይን ኮሚሽን ዶብ ኤርትራን ኢትዮጵያን ንምትግባር ንገዛእ ርእሱ ቅሩብ ዘይምዃኑ ሓቢኡ፡ ኣሜሪካን ካለኦት ሃገራት ምዕራብን ከይትግበር ከም ዝዓንቀፋ ኣምሲሉ ክኸስስ እዩ ዝስማዕ። እዚ ኩሉ ዞባውን ኣህጉራውን ሓደገኛነቱ ንምሕባእ ዝምህዞ እዩ።
እቶም ቀዳሞት ግዳያት ኣተሓሳስባ ጉጅለ ህግደፍ ኤርትራውያን ኢና። ኣብቲ ኣንጻሩ ዝግበር ቃልሲ ቅድሚት ክንስለፍ ዝግበኣና እውን ባዕልና ኢና። እዚ ማለት ግና ናይ ቀረባ ይኹን ናይ ርሑቕን ምትሕግጋዝ ኣየድልየናን ማለት ኣይኮነን። “ህግደፍ ንዞባና’ውን ዘራጊ ሓይሊ እዩ” ኣብ ትሕቲ ዝብል ሚዛን ፡ ናይቶም ብሰንኩ ሰላም ሓሪምዎም ዘለዉ ኣካላት ምትሕግጋዝ ክንሓትት እንከለና፡ ናይቲ ጉጅለ ምውጋድ ካብ ኤርትራ ሓሊፉ ዞባዊ ረብሓ ‘ውን ኣለዎ ኢልና ስለ እንኣምን ኢና። ስለዚ ህግደፍ ኣብ ኤርትራዊ ጥራይ ዘይኮነ ዞባዊ ሓደጋ’ውን ስለ ዝኾነ፡ ጐረባብትና ሃገራት ምስ ህግደፍ ዘለዎም ምትእምማን ዝጐደሎ ዝምድና ኣቋሪጾም፡ ምእንቲ ሰላም፡ ናይ ሕባር ረብሓን ሰናይ ጉርብትናን፡ ኣብ ምውጋድ እዚ ናይ ሓባርና ሓደጋ ከበርክቱ ንጽወዕ።
ርእሰ-ዓቀጽ ሰዲህኤ
ኣብ መንጎ ፈደራላዊ መንግስቲ ኢትዮጵያን ክልል ትግራይን፡ ንክልተ ዓመታት ዝተኻየደ መሪር ደማዊ ውግእ ካብ ዞባና ሓሊፉ ኣህጉራዊ ኣሻቓሊ ኣጀንዳ ኮይኑ ከም ዝጸንሐን ጌና ኣብ መስርሕ ምቁራጹ ዘሎ ናይ ቀረባ ተዘክሮ እዩ። ናይዚ ውግእ ተጋጠምቲ ኣካላት ብግሁድ፡ በቲ ሓደ ገጽ ፈደራላዊ መንግስቲ ኢትዮጵያ፡ ጉጅለ ህግደፍን ሓይሊ ኣምሓራን ክኾኑ እንከለዉ፡ በቲ ካልእ ወገን ድማ ሓይልታት ምክልኻል ትግራይ ኮይኖም ጸኒሖም። ብድሕሪ ነፍሲ ወከፎም ተሰሊፎም ዘዕጥቑን ዘስንቑን ሓይልታት ኣይነበሩን ማለት ግና ኣይኮነን። እዚ እቲ ወተሃደራዊ ኣሰላልፋኡ ኮይኑ፡ ኣብ ዲፕሎማስያውን ፖለቲካውን መዳያት እውን ክንጸባረቕ ጸኒሑ እዩ።
ውግእ ምስተጀመረ ገለ ወገናት ካብቶም ተዋጋእቲ ዝድግፍዎ ክስዕረሎም፡ ናይ ንዋትን ሞራልን ደገፍ እናሃቡ ናብ ሰዓራይን ተሰዓራይን እንዳደፍኡን ከጋድዱን ተራእዮም እዮም። ብኣንጻሩ ካለኦት ወግናት፡ መሪር ሳዕቤንን ዕንወትን ናይቲ ውግእ ተገንዚቦም፡ ውግእ ደው ኢሉ ክልቲኦም ወገናት ተዓወቲ ዝኾንሉ መፍትሒ ንክርከብ ዘኽእል ዘተ ሰላም ክካየድ ተጽዕኖ ክፈጥሩን ክምሕጸኑን ጸኒሖም። ምክፍፋል ኤርትራውያን ኣብ ኣረዳድኣን ኣፈታትሓን ናይዚ ውግእ ካብዚ ወጻኢ ዝረአ ኣይነበረን። ሰልፊ ዲሞክራሲ ህዝቢ ኤርትራ (ሰዲህኤ)፡ ኣካል ናይቲ “ውግእ ተቛሪጹ ሰላማዊ መዋጸኦ ክርከብ፡ ኩሉ ዘጋጠመ ሰብኣዊ ቅልውላው ብቕልጡፍ ክሓውን ተሓተቲ ኣብ ቅድሚ ሕጊ ክቐርቡን” ክጽውዕ ምጽንሑ፡ ድሕሪ’ቲ ውግእ ምጅማሩ ብተደግጋሚ ብትካላቱ ከውጸኦም ዝጸንሐ መግለጽታት ህያው ምስክር እዮም።
ድሕሪ ናይ ክልተ ዓመታት ንብዙሓት ዘደንጸወ፡ ብሚልዮን ዝግመት ህይወት ሰባት ዘጥፈአን ብቢልዮናት ዶላር ዝግመት ክሳራን ዕንወትን ዘስዓበን ደማዊ ውግእ፡ ፈደራላዊ መንግስቲ ኢትዮጵያን ክልል ትግራይን ቅድም ኣብ ደቡብ ኣፍሪቃ ደሓር ድማ ኣብ ኬንያ ውዕል ሰላም ተኸቲሙ። እቶም ከተምቲ ናብቲ ስምምዕ ንክበጽሑ፡ ናይ ዝተፈላለዩ ግዱሳት ኣካላት ተጽዕኖን ምሕጽንታንኳ እንተነበረ፡ እቲ ቀንዲ ደራኺ ድፍኢት ግና ከምቲ “ንሰብሲ ልቡ እምበር ሰብ ኣይዓርቆን እዩ” ዝበሃል፡ ናይ ክልቲኦም ወገናት ቅሩብነት እዩ። ድሕሪ ምኽታም እቲ ስምምዕ፡ “ስለምንታይ ሰላም ድሕሪቲ ኩሉ ህልቂትን ዕንወትን?” ዝብል ናይ ብዙሓት ሕቶ ኮይኑ ጸኒሑ። መልሱ ብዙሕ ዝርዝር ዘለዎ ኮይኑ፡ ክጠቓለል እንከሎ“በቲ ዝወረደ ዕንወት ተጣዒስካን ካብ ሕሉፍ ጌጋኻ ተመሂርካን፡ ኣብ ክንዲ እቲ ዕንወት ዝቕጽል ንምኹላፉ ዝዓለመ’ዩ” ዝብል ምዃኑ እቶም ዝምልከቶም ኣካላት ክህብዎ ካብ ዝጸንሑ መብርህታት ምርዳእ ይከኣል።
ሓንሳብ ዝሓዝካዮ መንገዲ፡ ናብ ደሓን ከም ዘይወስደካ ተረዲእካ፡ ካብ ተወሳኺ ክሳራ ንምድሓን፡ ዝሓሸ መንገዲ ምቕያስ ቅኑዕ ኮይኑ፡ ከም ናይ ህግደፍ ዝኣመሰለ ገታር ኣተሓሳስባ ግና ኣይክእሎን እዩ። ነዚ ለባም ኣገባብ ዝመርጽዎን ዝኽእልዎን፡ ናይ ህዝብን ሃገርን ድሕነት ዘሻቕሎም ምምሕዳራት እዮም። ከም ህግደፍ ዝኣመሰሉ፡ ንመስርሕ ሰላም ክቃወምዎ እንከለዉ፡ መተካእተኦም ውግእ ምቕጻል እዩ። ሳዕቤኑ ከኣ ኣብ ዕንወትን ህልቂትን ምንባር እዩ። እዚ ብትዕቢት ዝዓወረ ምርጫ፡ ኣብዚ ዞባና ብዓብይኡ ህግደፍ ዝልለየሉ እዩ። ሓይልታት ለውጢ ኤርትራ ከኣ ናይዚ ሃፈጽታ ከይጸልዎም ክጥንቀቑ ይግበኦም።
ከምቲ “እቲ ሰይጣን ኣብቲ ዝርዝር’ዩ ዘሎ” ዝበሃል፡ “ስምምዕ ሰላም ደቡብ ኣፍሪቃን ኬንያን ክትግበር ድዩ ኣይትግበርን?” ዝብል ናይ ብዙሓት ደለይቲ ሰላም ጥርጠራ ዝተሓወሶ ስኽፍታ ነይሩ። ኣብ ሰላም ረብሓ ዘየብሎምን ኣብ ህውከት ተሓቢኦም ክነብሩ ዝደልዩን እቲ ውዕል ክፈርስ ከንቱ ተስፋ ነይርዎም። ብግብሪ ግና ነቲ ናይ ብዙሓት ስግኣት ናብ ትብዓት ብዝቕይር ኣውንታዊ መስርሕ ይቕጽል ኣሎ። እቲ ደማዊ ውግእ ከሕደሮ ዝኽእል ምቅሕሓር ኣብ ግምት ኣእቲኻ፡ እቲ ሒዝዎ ዘሎ ኣንፈትን ቅልጣፈን ተስፋ ዝህብ እዩ። እቲ ንህዝቢ ኤርትራ ደም ዘንብዕ ዘሎ ጉጅለ፡ ናይዚ ውዕል ሰላም ቁጽሪ ሓደ ስግኣት ኮይኑ ምህላዉ በቲ ሓደ ወገን የገርም፡ በቲ ካልእ ወገን ከኣ ንኤርትራ ጥራይ ዘይኮነ ንዞባና’ውን ኣስጋኢ ኮይኑ ከምዘሎ የመልክት። ህግደፍ ኣብ ክንዲ በቲ ኣተኣታትዋኡ ናብ ውግእ ትግራይ ዝሓፍር፡ ኣብ ምውጻእ ምዕጥጣዩ ኣብ ቅድሚ ሕብረተሰብ ዓለም ከይተረፈ ክሳብ ክንደይ ደረቐኛ ዘራጊ ሰላም ምዃኑ ተቓሊዑ እዩ። ምስዚ ኩሉ ከምቲ ኣቦመንበር ሰዲህኤ፡ ኣብ ናይ 10 ታሕሳስ 2022 ፍሉይ ኣኼባ ማእከላይ ባይቶ “ህግድፍ ዝነበሮ ዕላማ ሰለ ዘየዕወተ በቲ ስምምዕ ኣብ ክንዲ ዝምእዘዝ፡ ካልእ ኣብ ውግእ ከንብሮ ዝኽእል ኲነታት ካብ ምምሃዝ’ኳ ዘይዓርፍ እንተኾነ፡ ውዒሉ ሓዲሩ ግና ክወጽእ ክግደድ እዩ ።” ዝበሎ፡ ብፍቶት ዘይኮነ ብግዲ ክወጽእ እዩ።
ኢትዮጵያውያን ደም ካብ ዘፋሰሰ ኣዝዩ በሊሕ ፍልልያት እዮም ናብዚ ስምምዕ በጺሖም። ናብ ምርድዳእ ዝበጽሑ ናይ ድሌታቶም ጫፋት ብምዕዋት ዘይኮነ፡ ብናይ ሕድገትን ምክእኣልን መርሆ መትከል “እንካን ሃባን” ብምትግባር እዮም። ዋላ’ኳ “ስለምንታይ ጫፋት ለቒቖም ብሕድገታት ኣብ ማእከላይ ፍታሕ በጺሖም?” ብዝብል ነቲ ስምምዕ ዘይተቐበሉ ሒደት ወገናት እንተ ተራእዩ፡ ነቶም ንኢትዮጵያ ጥራይ ዘይኮነ፡ ንዞባና እውን ኣብነታዊ ኣብ ዝኾነ መፍትሒ ዝተሰማምዑ ዝንእድዎም ዘለዉ ኣካላት ብዙሓት እዮም። ህግደፍ ግና ካብቶም ውሑዳት ኣብ ክንዲ ብስዕረቶም ዝእመኑ፡ መንገዲ ሰላም ንድሕሪት ክመልሱ ዝጽዕሩ ዘለዉ ቀዳማይ ዝስራዕ ኮይኑ’ሎ።
ኤርትራውያን ናብ ከምዚ ዓይነት ህግደፍ ዝሳተፎ ሓላፍነታዊ መስርሕ ሰላም ክንበጽሕ ኣይንኽእል ኢና። ምኽንያቱ ህግደፍ፡ ድሌት ህዝቢ ዘቐድም፡ ሕድገት ዝገብር፡ ምጽውዋርን ምክእኣልን ዘተባብዕ ኣተሓሳስባ ዘየብቁል ምድረ-በዳ ስለዝኾነ። እቶም ኣንጻር ህግደፍ ንቃለስ ዘለና ሓይልታት ለውጢ ግና ፍልልያትና ዘይመሰረታውን ዘይተዳመየን ኮይኑ፡ ንፍልልያትና ብምምሕዳርን ኣብቲ ዘሰማምዓካ ብምትካልን ብናይ ሓባር ተበግሶ ክውገን ዝኽእል እዩ። ናብዚ ንምብጻሕ፡ ካብ ናይ ደቡብ ኣፍሪቃ መስርሕ ሰላም ተማሂርና፡ ነቲ ክሳብ ሎሚ ክድንጒ ዘይነበሮ መስርሕ ሓቢርካ ምስራሕ መዕለቢ ክንገብረሉ ኣብ ቅድሜና ዘሎ መተካእታ ዘየብሉ መድረኻዊ ዕማም እዩ።