
ርእሰ-ዓንቀጽ ሰዲህኤ
ኤርትራውያን ኣብዚ ነካይዶ ዘለና ቃልሲ እነወግዶን ኣብ ክንድኡ እነቕርቦ መተካእታን ኣለና። እቲ እንቃወሞን ክውገድልና እንቃለሰሉ ዘለናን፡ ዘይሕገ-መንግስታዊ ምምሕዳር፡ ህዝባዊ ዲሞክራስያዊ ውክልና ዘየብሉ መንግስቲ፡ ንልኡላውነት ኤርትራ ኣብ ምልክት ሕቶ ዘውድቕ ጣልቃ ኣእታውነት ዝመሰረቱ ግጉይ ፖሊሲ ዝምድናታት፡ ምግሃስ መሰላት ሓሳብካ ምግላጽ፡ ምውዳብ፡ ዝኣመንካሉ ሃይማኖት ምኽታል፡ እንዳበልካ ዝጥቀስ ነዊሕ ዝርዝር ዝሓዘ እዩ። እዚ መግለጺ ወጽዓታት ኣብ ልዕሊ ህዝብናን ሃገርናን ጥራይ ዘይኮነ ኣብ ልዕሊ ካልእ ህዝብን ሃገርን ክወርድ እውን ዘይንድግፎ እዩ።
እቲ እንድግፎን ንምርግጋጹ እንቃለሰሉን ብኣንጻርቲ ንምውጋዱ ንቃለሶ ዝግለጽ ኮይኑ፡ ብርትዓዊ ዲሞክራስያዊ ተሳትፎ ህዝቢ ኤርትራ ዝጸደቐ ሕገመንግስቲ ዝቕለስ ኣገባብ ምምሕዳር፡ ብዲሞክራስያዊ ኣገባብ ዝተመርጸ ብድምጺ ህዝቢ ዝድይብን ዝወርድን መንግስቲ፡ ኩሉ መሰረታዊ መሰላት ዘውሕስ፡ ኣብ ገዛእ ሃገርካ ቁጠባዊ ተጠቃምነትካ ዘረጋግጽ ፖሊሲ፡ ቀንዲ ማእከሉ ህልውና ሃገርን ረብሓ ህዝባን ብዝኾነ ፖሊሲ ዝምራሕ ጣልቃ ኣእታውነት ዝነጽግ ዝምድናን ዝኣመሰሉን መሰረታዊ ጉዳያት ኣፍልጦ ዝህብን ብኣኡ ዝምራሕን ሃገረ-መንግስቲ ክህልወና ኢና ንደሊ።
እዞም ኣብ ኤርትራ ክረጋገጹልና እንቃለሰሎም ዘለና መሰረታዊ ዕላማታት፡ ኣብ ኤርትራ ጥራይ ክድረቱ ኣይኮነን ራኢና። ብኣንጻርዚ ምእንቲ ናይ ኤርትራ ልኡላውነትን ክብሪ ህዝባን “እቃለስ ኣለኹ” ኣንዳበልካ፡ ናይ ካለኦት ልኡላውነትን ክብሪ ህዝብን ምግሃስ ወይ ንዝግህሱ ምድጋፍን ምትብባዕን ቅኑዕ ኣይኮነን። ኣብዚ እዋንዚ ጉጅለ ህግደፍ ኣብ ውግእ ኢትዮጵያ ኣትዩ ዘስዕቦ ዘሎ ጉድኣትን ኣብ ጉዳይ ዩኩረይን-ሩሲያ ኣንጻር ልኡላውነት ዩክረይንን ሰብኣውነት ህዝባን ምስላፉ፡ ብጽሞና መዚንካ ኣንጻር ህግደፍን ዘይሓላፍነታዊ ተግባራቱን ምስላፍ እቲ ቅኑዕ መንገዲ እዩ። ምስ ልኡላውነትን መሰል ህዝብን ካለኦት ሃገራት ዝግህስ ጉጅለ ኢሳያስ ምስላፍ ግና፡ “እምበርከ እቲ ልኡላውነት ኤርትራን መሰል ህዝባን እድግፍ እየ” ዝብል መርገጽካኸ ናይ ልቢ ድዩ? ዝብል ሕቶ ዘኸትል እዩ። ኣብ ርእሲዚ ኣብዚ እዋንዚ ጉጅለ ህግደፍ ኣብ ጉዳይ ኢትዮጵያ ጣልቃ ምእታዉ ከይኣኽሎ፡ ምስቶም ክሳብ ሕጂ ናጽነት ኤርትራ ዘይተዋሕጠሎም ንቀይሕ ባሕሪ ብጐቦ ዓይኖም ካብ ምጥማት ዓዲ ዘይወዓሉን ልኡላውነት ኤርትራ ንዝተቐበሉ ምእንታኡ ንዘበርከቱን ኣካላት ብኽድዓት ዝኸሱን ኣካላት ኢትዮጵያ ብፍላይ ኣምሓራ ነብሱ ንምድሓን ጥራይ፡ እስትራተጅያዊ ምሕዝነት ንኽፈጥር ዕንይንይ ይብል ንዘሎ ህግደፍ ምድጋፍ ኣብ ካልእ ዝርዝር ከይኣተኻ ዘሕፍር እዩ። ነዚ ሓደገኛ ተግባር እንዳመረቕካ ብሉኡላውነት ኤርትራ ምምሓልን ምጥሓልንከ እንታይ እዩ ትርጉሙ።
ኣብ ጉዳይ ልኡላዊ ኣጀንዳ ኤርትራ ማንም ኢድ ከየእቱ እንዳበልካን ንኣሜርካን ሃገራት ምዕራብን ይዘርያኒ ኣለዋ ኢልካ ወገሐ-ጸበሐ እንዳኸሰስካን ንምቅዋሙ እንዳተሰለፍካን ንናይ ህግደፍ ኣብ ትግራይ፡ ኣምሓራ፡ ዓፋርን ካልእ ከባብታት ኢትዮጵያን ኬድካ ብዕድል ኤርትራውያን መንእሰያት ምጥላዕን ቅኑዕ ኢልካ ምድጋፍ፡ ኣብ ሕድሕዱ ዝዋቓዕን ብተንኮላት ህግደፍ ናይ ዝዓወኑ ኣካላት ግጉይ ምርጫን ጥራይ እዩ። ንናይ ካለኦት ልኡላውነት ምጥሓስ ምእንቲ ልኡላውነት ኤርትራ ዝውሰድ ስጉምቲ እዩ ምባል ከኣ ኣዝዩ ኣገራሚ እዩ።
“ህግደፍ ዝብሎን ዝገብሮን ኩሉ ግዜ ቅኑዕ እዩ” ዝብል ዘይመራመር፡ ዕዉርን ሓደገኛን መርገጽ ናይ ጥዕና ከምዘይኮነ ዋናታቱ እውን ብምስምሳት ደኣ ይሸፋፍንዎ ይኾኑ እምበር ይስሕትዎ እዮም ዝበሃል ኣይኮነን። ከምዚ ዓይነት ዘይዕቱብ ኣካይዳ ቅድሚ ንካለኦት ንኤርትራን ህዝባን ዝሃሲ፡ ዘጽርፍን ካብ ቃልሶም ዘሰናኽልን እዩ። እንተኾነ ህዝቢ ኤርትራ ናይዚ ኣበሃህላ ሓደገኛ ሳዕቤን በብግዜኡ ይርደኦ ስለ ዘሎ፡ መታለሊ ምህዞ ህግደፍ ናይ ግዜ ጉዳይ እንተዘይኮይኑ ተሰዓሪ እዩ። ህግደፍ ግና ናይ ህዝቢ ርኢቶን ስምዒትን ኣብ ግምት ካብ ምእታው ዝረሓቖ ስለ ዝኾነ፡ ክሳብ ግዜ ዕርበቱ ካብ ፖሊሲ “ዋላ ትንፈር እምበር፡ ጤል እያ” ኣይክወጽእን እዩ።
ህግደፍ ናይ ህዝቢ ስምዒት መዝሚዙ፡ ንምጥላዕ ንይምሰል ካብ ዝጥቀመሎም ኣምራት ሓደ ምዕቃብ ልኡላውነት ሃገር እዩ። ንዘይሓላፍነታዊ ስጉምታቱ ንዘየጣቕዕሉ ወገናት ድማ፡ ከም ጸረ ልኡላውነት ኤርትራ ኣምሲሉ ብምስኣል ንኹሎም ጸረ ህዝቢ ስራሓቱ“ምእንቲ ልኡላውነት” ዝብል መልክዕ የትሕዞም። ንልኡላውነት መዚዙ ኣውጺኡ ዝብለጸላ ምኽንያት ህዝቢ ኤርትራ ኣብ ልኡላውነቱ ዘለዎ ፍቕርን ርሱን ሃገራዊ ስምዒትን ስለ ዝፈልጥ፡ በዚ ተነካኢ ጐኑ ኣትዩ ናብቲ ዝደልዮ ንምውሳዱ የኽእለኒ እዩ ካብ ዝብል እዩ። ካብዚ ነቒሉ እዩ ከኣ፡ ናብ ውግእ ኢትዮጵያ ኣትዩ ዕንወት ዘውረደሉ፡ ኣንጻር ህዝብን ልኡላውነትን ዩክረይን ዝተሰለፈሉ፡ ምስ ትምክሕተኛ ጉጅለ ኣምሓራ ዝተዓራረኸሉ፡ ዘቤታዊ ኣጀንዳ ኤርትራ ራሕሪሑ ናብ ደገደገ ጥራይ ዘማዕድወሉ፡ ምኽንያት ክሕተት እንከሎ፡ “ምእንቲ ልኡላውነት ኤርትራ” ዝብል ሸፋጢ መልሲ’ዩ ዝህብ። ሓቀኛ ባህሪ ናይቲ ጉጅለ ዝፈልጡ ኣካላት ካብኡ ካልእ ሰለ ዘይጽበዩ ኣይሕደሶምን። ደገፍቲ ህግደፍ ጥራይ ዘይኮኑ ሕሉፋት ተሓለቕቲ ልኡላውነት ኢና በሃልቲ ወገናት፡ ንናይዚ ጉጅለ ምስምስን ተንኮላትን ከም ሓቂ ወሲዶም ምቕባል ጥራይ ዘይኮነ ኣጋኒኖም መቃላሕቲ ኮይኖም ኣብ ማሕበራዊ መራኸቢ ክግዕሩ እንከለዉ፡ ካብ ምግራም ንላዕሊ መግለጺ ስለ ዘየብሎም እንተዘይኮኑ፡ ኪኖኡ ክበሃሉ ዝግበኦም እዮም።
ካብ ከምዚ ዓይነት ህግደፍ ዘጻወዶ ናይ ኣተሓሳስባ ስንክልና ንምውጻእ፡ ህዝብን መንግስትን፡ ፖለቲካዊ ዛዕባን ሰብኣውነትን፡ ውልቃውን ሓባራውን፡ ዜቤታውን ግዳማውን፡ ዝሓለፈ ህልውን መጻእን፡ ዛዕባታትን ምዕብልናታትን ፈላሊኻ ምርዳእ ካብ ርትዓዊ ሚዛን ከይትወጽእ ዝሕግዝ እዩ። ካብዚ ሓሊፉ ካብቲ ዝሓለፈ ተመኩሮ ሐሕማቑ እንዳ ጻሕተርካ ንምፍዳይ ሕነ ከም ፖለቲካዊ መፍትሒ ኣብ ክንዲ ምውሳድ፡ ንትማሊ፡ ሎሚን ጽባሕን ነናቶም ብጽሒት ምሃብን ንቕድሚት ምምዕዳውን ግዳይ ዝንቡዕ ኣተሓሳስባ ካብ ምዃን ዘድሕን ውሕልነት እዩ። ስለዚ ህዝቢ ኤርትራ ባህጉ ሰላም፡ ዕቤትን ዲሞክራስን ምዃኑ ብሩህ ክነሱ፡ ጉጅለ ህግደፍ ኣብ ህዝቢ ኤርትራ ብዝለመዶ፡ ኣንጻር ካለኦት ህዝብታት በደል ክፍጽም እንከሎ’ውን፡ ብዝተረኸቦ ኣጋጣሚ ከውግዞ እምበር ክድግፎ ኣይግባእን። ከምኡ እንተገይሩ ጥራይ እዩ ከኣ “ነዓና ክበኹረና ዘይንደልዮ፡ ንኻለኦት’ው ከይበኹሮም” ዝብል ድምጺ ሰማዒ ዝረክብን ትርጉም ዝህልዎን።
ቃልሲ ብቆጸራ ኣቐዲምካ ኣብ ዝሓሰብካዮ ናይ ግዜ ገደብ ዝውዳእ ዘይኮነ፡ ቀጻልነት ዘለዎ ብምዕባለታት ዝጽለውን ዝግዛእን መስርሕ እዩ። እዚ ማለት ቃልሲ ተጀሚሩ ክሳብቲ ዝተዓለመሉ ሸቶ ንክበጽሕ በቲ ጀማሪ ጥራይ ዝዕመም ዘይኮነ፡ እቲ ዝቐደመ እጃሙ ኣበርኪቱ ነቲ መጻኢ እንዳውረሶ ክሳብ ዓወት ዝቕጽል እዩ። እቶም ዝወራረሱ ኣካላት ከከምቲ ዝሓልፍዎ መድረኽ ነናቶም ብጽሒት ኣለዎም። እቲ ዘውርስ መሰረት የትሕዝ እቲ ወራሲ ከኣ ኣብ ልዕልቲ ኣቐዲሙ ዝተነጸፈ ባይታ ናቱ ይምልእ። እጃሙ ምስ ወደአ ከኣ ንተካኢኡ ወለዶ የውርስ፡ እቲ መስርሕ ከምኡ ኢሉ ዋሕዙ ይቕጽል። ቃልሲ ናጽነት ኤርትራ ኣብ 60ታት ተጀሚሩ ኣብ 90ታት ምዝዛሙ ከኣ ናይዚ መስርሕ ምውርራስ ናይ ቀረባ ኣብነት እዩ።
መስርሕ ምውርራስ ብግቡእ ምክያዱን ዘይምክያዱን ንቕንዕና፡ ተዓዋትነትን ቀጻልነትን ሓደ ቃልሲ ዝውስን እዩ። ቀጻልነት ኣብ ቃልሲ ናብ ዓወት ዘብጽሕ ወሳኒ ባእታ እዩ። እዚ ቀጻልነት ብምውርራስ እዩ ዝረጋገጽ። ቃልሲ ህዝቢ ኤርትራ ምእንቲ ናጽነት ነዚ ሓቂዚ ብግብሪ ኣርእዩና እዩ። እቶም ነቲ ቃልሲ ዝጀመርዎ ገለን ብመስዋእቲ ገለን ድማ ብዕድመ ምድፋእ ካብቲ በሊሕ ቦታ ናይቲ ቃልሲ ክእለዩ እንከለዉ ሳላቲ ዝተከኦም ሓድሽ ወለዶ መሳርዕ ቃልሲ ከይዛረየ ኣብ ዓወት በጺሑ። ሳላ እቶም ቀዳሞት ዘውረሱ፡ እቶም ዝወረሱ ከኣ ናይቶም ዘውረስዎም ሕድሪ ኣጽኒዖም እጃም ብምድራብ ምስ ቀጸልዎ እቲ ናይ ቃልሲ ሰንሰለት ብግቡእ ስለ ዝሰጠመ ንጸላኢ ኣሲሩ ዘሕቅቕ ዓቕሚ ክኸውን በቒዑ።
መስርሕ ቃልሲ ዝነቐለሉ መሰረት ከይሰሓተ ክቕጽል እንከሎ፡ ኣብቲ መስርሕ ዝጸልውዎ ሓደስቲ ምዕባለታት የጋጥምዎ እዮም። እቲ ቃልሲ ከኣ ነዞም ሓደስቲ ምዕባለታት ምስቲ መሰረታዊ ዕላማ ኣብ ግምት እናእተወ ከመሓድሮም ናይ ግድን እዩ። ካብዚ ብምንቃል እዩ ከኣ ኣብቲ መስርሕ ምውርራስ እቶም ዝወርሱ ካብቶም ዘውረስዎም ክኸድዎ ዝጸንሑ ኣገባብ ዝተፍልየ ክኸውን ዝዝኽእል። እቲ ጸላዊ ምዕባለታ ካብቲ ናትካ መስርሕ ቃልሲ ጥራይ ዘይኮነ ከባብያዊ ናይ ኣሰላልፋ ሓይልታት ለውጢ ዝፈጥሮ’ውን ክኸውን ይኽእል እዩ። ነዚ ንክትበቅዕ እምበኣር ኣዝዩ ውሕሉል፡ ተዓጻጻፍን ጸዋርን ግና ከኣ ዝነቐለሉ ሸቶ ዘይዝንግዕ ምዃን የድሊ። ቃልሲ ህዝቢ ኤርትራ ምስ ጀምረ፡ ኣብቲ መስርሕ ብዙሓት ናይ ውሽጥን ግዳምን ምዕባለታት ኣጋጢመምዎ እዮም። ምስ ኩሉቲ ዝነበሮ ጸገማትን ሕጽረታትን ከኣ ከከም ኣመጻጽእኦም ወጊንዎም። ሳላ ከምኡ ዝገበረ ድማ፡ እቲ ቃልሲ ካብቲ ዝተላዕለሉ ሸቶ ምርግጋጽ ናጽነት ኤርትራ ኣየላገሰን።
እቲ ዝወርስ መንእሰይ ሓላፍነት ምስተረከበ፡ ነቲ መስርሕ ቃልሲ ካብቲ ዝነበሮ ናብ ዝበረኸ ደረጃ ክብ ናይ ምባሉ ሓላፍነት ኣለዎ። ነዚ ክበቅዕ ግና ነቲ ካብቲ ዘውረሶ ነባር ዝርከቦ ጸጋን ክብርን መንቀሊ መሰረቱ ገይሩ ኣብ ርእሲኡ ናቱ ዓቕሚ ወሲኹ ዝብርኽን ዝስስንን ክኸውን ይግበኦ። እዚ ማለት ምስቲ መድረኽ ዝሰማማዕ ምውሳድ እምበር ብስም ምውራስ ግዜኡ ዝሓለፎን ንድሕሪት ዝመልስን ኣካይዳ’ውን ይገፋፍጥ ማለት ኣይኮነን። ነዚ እንተዘይበቒዑ ግና ወራስነቱ ኣድማዒ ትርጉም ኣይህልዎን። ዘዝመጸ ወራሲ ወለዶ ነቲ ቅድሚኡ ዝነበረ እናደርበየን እናነኣኣሰን ግድን “ከም ብሓድሽ ካብ ናተይ እንተዘይ ነቐልኩ” እንተ ኢሉ ወትሩ “ዘዝወረሰ ጀማሪ” ናይ ምዃን ሓደገኛ ዝሕተላን ጽበትን እዩ ዘጋጥም። ምውርራስን ቀጻልነትን እውን ትርጉም ይስእን። በዚ ከኣ ታሪኻዊ ዋሕዚ ሕብረተሰብ ይመዛበልን ዋና ይስእንን።
ኣብዚ ሎሚ ነካይዶ ዘለና ኤርትራዊ ዲሞክራስያዊ ለውጢ ናይ ምርግጋጽ ቃልሲ ሕቶ ምውርራስ ዝያዳ ካልእ ግዜ ኣዛረብትን ኣሻቐልትን ካብ ዝኾኑ ዛዕባታት ሓደ ኮይኑ ኣሎ። ኣብ መንጎ እቶም ኣውረስትን ወረስትን ሓሓሊፉ ዝረአን ዝስማዕን ዘይምቅዳው ይንጸባረቕ። እዚ ምውርራስ ብናይ ክልቲኦም ቅሩብነትን ሓላፍነትን ዝትግበር እምበር፡ ናብ ሓዲኦም ዝድርበ ተሓታትነት ኣይኮነን። እቲ ዝትክእ “ክንድቲ ክቕረቦ ዝግበኣኒ ተቐሪበ እየ እሞ ክወርስ ” ዝብል ድሉውነት ከርኢ ምርጫ ዘይኮነ ግድነት እዩ። እቲ ዘውርስ ከኣ “ደጊም ግደኻ እዩ” ኢሉ ሓላፍነት ናይ ምርካብ ድልውነት ከርኢ ምርጫኡ ዘይኮነ ባህርያዊ ግደታኡ እዩ። ምውርራስ ብሓንሳብ ተጀሚሩ ዝውዳእ ቅጽበት ዘይኮነ፡ ነብሱ ብዝኸኣለ መስርሕ ዝትግበር ምዃኑ ክዝንጋዕ ዘይብሉ እዩ። እቲ ብሱል መስርሕ ምውርራስ፡ ኣውራስን ወራስን ቅርቡነቶም ዘርእይሉ ጥንቃቐ ዘድልዮ ወሳኒ መላግቦ እዩ። ብፍላይ እቲ ዝወርስ መንእሰይ ወለዶ ኣብቲ ቃልሲ ተሰሊፉ ነብሱ ክኢሉ መሪሕ ሓላፍነት ክርከብ ዘኽእሎ መባእታዊ ተመኩሮ ዝቐስመሉ ግዜ ከም ዘድልዩ ክርዳእ ይግበኦ። ቅድሚ ሓላፍነት ከኣ ቃልሲ እዩ ክርከብ ዝግበኦ። እቲ ዘውርስ ብወገኑ ክሳብ ሕጂ ዘጽናሕኩዎ ቃልሰይ ከቐጽለለይ እዩ ዝብሎ ምስ ረኣየ፡ ካብ ምርካብ ድሕር ክብል ኣይግበኦን። ናይቲ ዘውርስ ኣካል ኩነታት እቲ ወራሳይ ጥጡሕ እንከሎ ምዝንጋዕን ኮነ ናይቲ ወራሲ ኩነታት ከይበሰለ ብኣቋራጭ እንተዘይወረስኩ ዝብል ታህዋኽ ግና ክልቲኦም ሃሰይቲ እዮም።
ኣብ መንጎ እዞም ክልተ ናይ ግድን ተደላላይቲ ኣውራስን ወራስን ቅድሚ ኩሉ እቲ ሓደ ብዘይ ናይቲ ካልእ ህልውና ከምዘየብሎም ክኣምኑ ግድን እዩ። ምኽንያቱ ካብዚ መስመርዚ እንተወጺኦም እቲ ኣውራሲ ዋጋ ዝኸፈለሉ ቃልሲ ብዘይወራሲ ክጠፍእ ምዃኑ ክእመን ይግበኦ። እቲ ወራሲ ከኣ ነቲ ዘውርሶ ግቡእ ኣፍልጦ እንተዘይሂብዎ ዝብገሰሉ መሰረት ከምዘየብሉ ክግንዘብ ይግበኦ። ምኽያቱ ቀንዲ ጠመተናኳ ንቕድሚት እንተኾነ፡ ሎሚ ኮነ ጽባሕ ብዘይትማሊ ህልውና የብለንን። ካብዚ ሓሊፉ፡ እቲ ሓደ ናይ ሎሚ መንእሰይ ኣይጠቅምን እዩ፡ እቲ ካልእ ከኣ እዚ ናይ ትማሊ ነባር እንታይዶ ሰሪሑ እዩ? ክበሃሃሉ ግዜ ምቕታል ውጽኢቱ ብዘይ ታሪኽን ዓወትን ምትራፍዩ ዘኸትል። ኣብዚ እዋንዚ ፖለቲካ፡ዊ ሰልፍታት፡ ውድባትን ማሕበራትን ኤርትራ ናይቲ ወራሲ መንእሰይ ከምቲ ዝድለ ዘይምስታፍ ዘሰክፈን ናይ ዘይምቕጻል ሓደጋ ከየጋጥም ስለ ዝሰግኣ እየን። እዘን ውዳበታት ነቲ መንእሰይ ኣብ ጐነን ኣየሰልፈኦን፡ ወይ እዚ መንእሰይ ኣብ ውድባት ናይ ምስላፍ ትብዓት የብሉን ዝብሉ ምክሳሳት ደጊም ይኣክል ክበሃሉ ይግበኦም። ህግደፍ ዕድመ ስልጣኑ ንምንዋሕ ንዘታኣታተዎ ናይ ሕሰምን ስቓይን ውርሻ ገጽ ከይሃብካ፡ ኣብ ገዛእ ውራይካን ትውልዳዊ ሓላፍነትካን ክትዕደም ወይ ኩሉ ክሳብ ዝጣጣሓልካ ክትጽበ ዘይኮነ፡ ባዕልኻ ደፊእካ ምእታውን ነቲ ብማዕዶ እትፈርሖ ኩርኳሕ ቃልሲ ናይ ምጽራግን ሓልፍነት ናይቲ ወራሲ ሕድሪ መንእሰይ ምዃኑ ክዝንጋዕ ዘይግበኦ ቅኑዕ መስርሕ እዩ።
ኤርትራን ህዝባን ኣብ ጸገም ካብ ዝኣትዉ ነዊሕ ግዜ ኮይኑ። ናይ ኩሉ ጸገማቶም መስረታዊ ጠንቂ ከኣ ህግደፍን ንሱ ዘተኣታተዎ በሓትን ብልሹውን ኣገባብ ምምሕዳርን እዩ። እዚ መሰረታዊ ጸገም ብመብዛሕትኡ ህዝቢ ኤርትራ ግንዛበ ካብ ዝረክብ ሓጺር ግዜ ኣይኮነን። ናይዚ ጸገም መፍትሒ ነቲ ጠንቂ ምውጋድ ምዃኑ ከኣ ርዱእ እዩ። ናይቲ መፍትሒ ኣምጻኢ እቲ መፍትሕን ራህዋን ዝጽበ ህዝብን ናይ ለውጢ ውዳበታቱን ባዕላቶም እምበር ካልእ ኣይኮነን። ህዝቢ ኤርትራን ውዳበታቱን ነዚ እንተዘይበቒዐምዎ ብዘይካ ኣብ ወጽዓ ምንባር ካልእ መተካእታ የብሎምን።
ናይ ለውጢ ሓይሊ ኮይንካ ጸገምካ እንታይን ብመንን? ምዃኑ ምርዳእ ናብቲ መሰረታዊ ፍታሕን ሸቶን ንምብጻሕ ኣገዳሲ ቅድመ-ኩነት እዩ። ምርድኡ ጥራይ ዘይኮነ ናብቲ መፍትሒ ገጽካ ምንቅስቓስ እውን ካልእ ኣውንታዊ ኩበዖ እዩ። እዚ ናይ ኣተሓሳስባ ቅሩብነታት ብግብራዊ ስጉምቲ እንተዘይተሰንዩ ግና ናብቲ ዝድለ ናይ መወዳእታ ውጽኢት ኣየብጽሕን እዩ። ናብ ግብራይ ውጽኢት ንምብጻሕ እቲ ተመሳሳሊ መሰረታዊ ኣቕጣጫን ድሌትን ትጽቢትን ዘለዎ ክነሱ በበይኑ ፋሕ ኢሉ ዝወፍር ዓቕምታት ኣብ ትሕቲ ሓደ ጽላል ምጽማዱ መተካእታ የብሉን። ኤርትራውያን ነዚ መሰረታዊ ተደላይነት ዘለዎ ስጉምቲ ተረዲእና ኣብ ግብሪ ንከነውዕሎ ላዕልን ታሕትን ንብል ምህላውና ከም ኣንፈት ቅኑዕ ምርጫ እዩ። ምስ ግዜ ክነስጉሞ ዘይምብቃዕና ግና ዘይንሃድመሉ ህጹጽ ፍታሕ ዘድልዮ ሕጽረት እዩ።
ኤርትራውያን ጉዳይ ሓድነትን ኣድላይነት ብሓባር ምቅላስን ኣጀንዳና ካብ ዝኸውን ነዊሕ ግዜ ኮይኑ። ካብ ታሪኽ ቃልሲ ህዝቢ ኤርትራ ተፈልዩ ዘይፈልጥ ኣጀንዳ እዩ እንተበልናዮ እውን ካብ ሓቂ ዝረሓቐ ኣይኮነን። ርሑቕ ከይከድና ተመኩሮ ቃልስና ምእንቲ ሰብኣውን ዲሞክራስያውን መሰላት ድሕሪ ናጽነት እንተረአናኳ፡ ብሓባር ምቅላስ ዝብል ዛዕባ ኣዝዩ ዕዙዝ ቦታ ሒዙ እዩ ክመጽእ ጸኒሑን ዘሎን፡ ሕጂ ከኣ መመሊሱ ይዓዝዝ ኣሎ። ክሳብ ክንድዚ ቀጻሊ ኣጀንዳና ናይ ምዃኑ ምስጢር ኣብ ዝርዝር ከይኣተና “ሓድነት ሓይሊ” ስለ ዝኾነ እዩ ኢልካ ምጥቕላሉ ይካኣል። ብኣንጻሩ በበይንኻ ምውፋር ዘየዕውትን ተስፋ ዘቑርጽን ምዃኑ ኤርትራዊ ውድባት፡ ሰልፍታትን ማሕበራትን ከካብ ተመኩሮና ክንርደኦ ዝግበኣና ዝነበረ፡ ግና ዘይተገንዘብናዮን ንዓኡ ዝምጥን ዋጋ ዘይከፈልናሉን እዩ። በብግዜኡ ዘዝመስረትናዮ ናይ ሓባር መደረኻት ከነቐጽሎ ዘይምብቃዕና ንወሳኒ ተራ ብሓባር ምስራሕ ብኽንድቲ ክንርደኦ ዝግበና ዕምቈት ክንግንዘቦ ናይ ዘይምኽኣልና ምስጢር እዩ። ኣብቲ ኣገዳስነቱ ብኣተሓሳስባ ደረጃ እናተረዲእና፡ ብግብሪ ግና ኣሰነይቱ ኮይና ዘይምቕራብና ድማ መርእያ ምስ ግዜ ዘይምስጓምና እዩ።
ብኣተሓሳስባ ዝተቐበልካዮ ንምትግብር ዘይምኽኑይ ግዜ ምብላዕ ንኹሉቲ ኣብ ኣድላይነት ናይቲ ጉዳይ ዘለና ናይ ሓባር ተረድኦ መኻን ከም ዝገብሮ ብግብሪ ንዕዘቦ ዘለና እዩ። ብሓባር ንቃለስ ክበሃል እንከሎ ካብቶም ክሓብሩ ዝግበኦም ንሓደ ጠቒሙ ነቲ ካልእ ዝጐድእ ዘይኮነ፡ ንኹሎም ዘርብሕ ማእከላይ መድረኽ ምዃኑ ናይ ዘይምርዳእ ዝንባለ እውን ይረአ እዩ። ጉዳይ ሓድነት ክለዓል እንከሎ ኩልና ዋጋ እንኸፍለሉን እንግደሰሉን እምበር፡ ሓደ መራሒ እቲ ካልእ ከኣ ተለሚኑ ወይ ተደፊኡ ሰዓቢ ዝኾነሉ መስርሕ ክኸውን ኣይግበኦን። ምኽንያቱ ኩልና በበይንና ከነድምዕ ከምዘይንኽእል ብግብሪ ርኢናዮ ኢና። ብሓባር ምስራሕ ኩልና ብእንኸፍሎ ዋጋ ዝምስረት እምበር ሓደን ከፋላይ እቲ ካልእ ከኣ ተዓዛባይ ብምዃን ዝረጋገጽ ኣይኮነን።
ንሕና ከነራጥጥን ክስገር ዝግበኦ ምስምሳት ከነተዓባብን እንከለና፡ ግዜ ግና ሰለል ኢሉ እዩ ንቡር ጉዕዘኡ ዝቕጽል። ኣብቲ መስርሕ ዝምዕብሉ ኣጀንዳታት ነቲ ኣብ ግዜኡ ናብ ዝበረኸ ደረጃ ዘይስገረ ኣጀንዳና ረረጊጸሞ ይሓልፉ እሞ ጉዳይና ዕዳጋኡ ይጸብብ ዓዳጊኡ እውን ይውሕድ። ምኽንያቱ ሓድሽ ምዕባለ ዝያዳቲ ዝጸንሐ ሰሓቢ ናይ ምዃን ዕድል ስለ ዘለዎ። እዚ ከኣ ንናይ ምርስሳዕን ኣጀንዳ ምቕያርን ባህሪ ህግደፍ እዩ ዘተባብዕ። ህግደፍ ንኢድ ኣእታውነቱ ኣብ ውግእ ኢትዮጵያ-ትግራይ ክሳብ ክንደይ ኤርትራዊ ዘቤታዊ ኣጀንዳ ኣረሲዕካ ናብ ደገ ጥራይ ንምርኣይ ከም ምኽንያት ከም ዝተጠቕመሉ ርኢናዮ ኢና። ኣብዚ እዋንዚ ከኣ ወያ ካብ ውግእ ኢትዮጵያ ዝሓሰባ ክትነፍሶ ምስ ደለየት፡ እነሆ ንናይ ዩክረይን-ሩሲያ ጓይላ “መጺኽለይ ዶ ክጽበየኪ” ኢሉ ኣባ ጓይላ ኮይኑ ክጥበሶ ዓይኒ ኣይሓሰየን።
እዚ ጥራይ ኣይኮነን መሰረቱኳ ሓድሽ እንተዘይኮነ ኣብ በዓቲ ዓዲ ሃሎ ተሓቢኡ ኣንጻር እተን ኣብ ኤርትራ “ሰብኣዊ መሰል ኣኽብር፡ እሱራት ፖለቲካን ሕልናን ፍታሕ ወይ ናብ ፍርዲ ኣቕርብ፡ መሰል እምነት ኣይትኸልክል፡ ብሕገ-መንግስቲ ምራሕ፡ ህዝቢ ዝመርሕዎ ይምረጽ ……. ወዘተ” ስለ ዝበለኦ ጥራይ ክጸልአንን ክረግመንን ዝጸንሐ ምዕራባውያን ንምጽራር ምስ ሩሲያን ቻይናን ወጊኑ ወደኽደኽ ይብል ኣሎ። ምስ እዚኣተን ዘራኽቦ ቀንዲ ዛዕባ ኩሉ መሰረታዊ መሰላት ክጥሕስ እንከሎ ዘይጻረርኦ ጥራይ ዘይኮና፡ ኣብ ዝለዓሉ ዓለም ለኻዊ ትካላት ዘለወን ናይ ምቕያር ልዕልና ተጠቒመን ዝድግፈኦ ስለ ዝኾና እዩ። ኣብዚ ቀረባ ግዜ ቻይና ምስ ሃገራት ቅርኒ ኣፍሪቃ መዲባቶ ዘላ መመኻኸሪ መድረኽ ኣብ ኤርትራ ክጋባእ እዩ ዝበሃል ዘሎ ሓቂ እንተኮይኑ ከኣ ክሳብ ክንደይ ኢሳያስ ነቲ ወጥሪ ናብዚ ከባቢና ጐቲቱ ከምጸኦ ይደሊ ምህላዉ ዘርኢ እዩ። እዚ ዝምዕብል ዘሎ ኣሰላልፋ ፖለቲካዊ ሓይልታት፡ ንቃልሲ ህዝቢ ኤርትራ ጠጠው ዘየብሎ’ኳ እንተዘይኮነ፡ ከም ዝሓላልኾ ግና ርዱእ እዩ። እዚ ምዕባለዚ እናረኣኻን እናሰማዕካን ምስ ግዜ ዘይምስጓም ክሳብ ክንደይ ጐታቲ ምዃኑ ከኣ ክስቆረና ይግበኦ። እንተ ንዲክታተር ኢሳያስ ንኤርትራዊ ውሽጣዊ ጉዳይ ብዞባዊዶ ህጉራዊ ኣጀንዳታት ኣጐልቢብዎ ናይ ምቕጻል ዕድሉ ከም ዘስፈሓሉ ርኡይ እዩ። ስለዚ ሕጂ እውን “ምስ ግዜ እንተዘይሰጒምና” እቲ ኣርዑት ወጽዓ መሊሱ እዩ ክጸዓነና።
ደቂ ኣንስትዮ ብቁጽሪ ዘይኮነስ ብተሳትፎን ኣበርክቶን ፍርቂ ኣካል ሕብረተሰብ ብምዃነን ንሳተን ከይተሳተፈኦ ዝዕወት ናይ ለውጢ መስርሕን ዕብየትን የለን። ወሳንነት ግደ ደቂ ኣንስትዮ ኣብ ሕብረተሰብ ኣብ ኩሉ ዓውዲ ህይወት ወዲ ሰብ ዝንጸባረቕ እዩ። ካብዚ መሰረታዊ ቦታአን ብዝነቐለ 8 መጋቢት ከም ዓለምለኸዊት መዓልቲ ደቂ ኣንስትዮ ክትክበር ተወሲና። 8 መጋቢት ናብዚ ደረጃዚ ዝማዕበለት ድሕሪ ነዊሕ ውረድ ደይብን መሪር ቃልስን እዩ።
8 መጋቢት ኣህጉራዊ ቦታ ንክትሕዝ ዝኸኣለት ኣብታ መዓልቲ ብ1908 ኣብ ሕቡራት መንግስታት ኣሜሪካ ጾታዊ ወጽዓ ብዘንቀሎ ኣስታት 15 ሺሕ ደቂ ኣንስትዮ ዝተሳተፋሉ ምልዕዓል ስለ ዝተራእየላ እያ። ቀንዲ ሕቶ ናይተን ደቂ ኣንስትዮ፡ ማዕረ ክፍሊት ኣብ ስራሕ፡ መሰል ምድማጽ ኣብ ምርጫን፡ ገደብ ናይ ስራሕ ሰዓታትን ከም ዝነበረ መዛግብቲ ታሪኽ ይሕብሩ። ብሳላዚ ብቃልሰን ዝተኸፍሎ መስዋእትን፡ መዓልቲ ደቂ ኣንስትዮ ብ28 ለካቲት 1909 ኣብ ሕቡራት መንግስታት ኣሜሪካ ክትክበር ጀሚራ። ድሕሪዚ ብ1910 ኣብ ከተማ ኮፐንሃገን ካብ 17 ሃገራት ዝተወከላ ኣስታት 100 ደቂ ኣንስትዮ ዝተሳተፋሉ ኮንፈረንስ ተኻይዱ። ዕላማ ናይዚ ኮንፈረንስ ብዛዕባ ድርብ ወጽዓ ደቂ ኣንስትዮን መፍትሒኡን ምዝታይ ነይሩ። ብምቕጻል ብ19 መጋቢት 1911 ኣብ ሃገራት ኦስትሪያ፡ ደንማርክ፡ ጀርመንን ስዊዘርላንድን ዝያዳ ሓደ ሚልዮን ደቂ ኣንስትዮን ደቂ ተባዕትዮን ዝተሳተፍሉ ማዕርነት ደቂ ኣንስትዮ ዝጠልብ ሰላማዊ ሰልፍታት ተኻየደ። እዚ ምልዕዓል ደቂ ኣንስትዮ ኣብ 1914-1918 ቀዳማይ ውግእ ዓለም ጠጠው ንክብል ግደ ነይርዎ። ብድሕሪኡ ኣብ ዝተፈላለዩ ቦታታትን ዕለታትን ክትዝከር ድሕሪ ምጽናሕ እታ ብ1913 ዝጀመረት 8 መጋቢት ብደረጃ ዓለም ክሳብ ሎሚ ኣህጉራዊ መዓልቲ ደቂ ኣንስትዮ ኮይና ትዝከር ኣላ። ብ1975 ከኣ ንመጀመርያ ግዜ 8 መጋቢት ኣጉራዊ ማዓልቲ ደቂ ኣንስትዮ ኮይና ብደረጃ ውድብ ሕቡራት ሃገራት ብወግዒ ክትክበር ክኢላ።
ደቂ ኣንስትዮ ፍርቂ ሕብረተሰብ ኣብ ርእሲ ምዃነን፡ ጓለንስተይቲ መሰረት ሕብረተሰብ ስለ ዝኾነት ናታ ዓወት፡ ናይ መላእ ሕብረተሰብ ዓወት እዩ። “ንጓለንስተይቲ ምስትምሃር ሕብረተሰብ ምስትምሃር እዩ” ዝበሃል እውን ወሳኒ ግደ ጓለንስተይቲ ኣብ ኩለመዳያዊ ዕቤት ንምንጽብራቕ እዩ። እዚ ተሳትፎን ማዕርነትን ደቂ ኣንስትዮ ብጭረሖን ድልየትን ዘይኮነ፡ ብግብራዊ ቃልሲ ከም ዝረጋገጽ ተመኩሮ ዘርኣየና እዩ። እቲ ምእንቲ ማዕርነት ደቂ ኣንስትዮ ዝግበር ቃልሲ እንተላይ ብተሳትፎ መላእ ሕብረተሰብ እምበር፡ ብናተን ፍሉይ ኣበርክቶን ጻዕርን ጥራይ ክረጋገጽ ከምዘይክእል ከኣ ኣብ ተመኩሮ ዝተረጋገጸ ሓቂ እዩ።
ግደ ኤርትራውያን ደቂ ኣንስትዮ ኣብቲ ናይ 30 ዓመታት ቃልሲ ንናጽነት ወሳኒ ነይሩ። እንተኾነ ካብ ምዕዋት ሃገራዊ ናጽነት ንላዕሊ ኣርሒቑ ዝጥምት ንቕሓትን ውዳበን ኣይነበረንን። ድሕሪ ናጽነት፡ መላእ ህዝቢ ኤርትራ በቲ ዲክታተር ኢሳያስ ዝመርሖ ዘሎ ጉጅለ ከም ዝተጠልመ ርዱእ እዩ። ናይቲ ጥልመት ስንብራት ኣብ ልዕሊተን ብሓርነትን ማዕርነትን ክካሓሳ ትጽቢት ዝነበረን ኣንጻር ድርብ ወጽዓ ክቃለሳ ዝጸንሓ ደቂ ኣንስትዮ ዝኸበደ ከም ዝኾነ፡ ብግብሪ ዝተራእየን ዝረአ ዘሎን እዩ።
ታሪኻዊ ኣመጻጽኣን ኣገዳስነትን ኣህጉራዊ መዓልቲ ደቂ ኣንስትዮ 8 መጋቢት ነባሪ እዩ። እቲ ዝዝከረሉ ኣገባብ ግና ምስቲ እዋናዊ ምዕባለ ዝቃነ እዩ። መሰረታዊ ዕላማ ምዝካር 8 መጋቢት፡ ደቂኣንስትዮ ከም ፍርቂ ሕብረተሰብ ኣብ ኩሉ መዳያት ህይወት ብማዕረ ክሳተፋን መሰል ናይ ተጠቃምነተን ከውሕሳን እዩ። ነዚ ንምዕዋት “ንመጻኢ እንታይ ይገበር?” ኣብ ዝብል ዝያዳ ዘድህብ ስራሓት ክሰላስላ ይግበአን። ብመጽርዚ ናይ ሎሚ ዓመት 8 መጋቢት 2022 ከም ናይ ዓሚ ኣብ ሃገርና ወጽዓ ህግደፍ ምረቱ ብሓፈሻ ኣብ ልዕሊ ህዝብና፡ ብፍላይ ከኣ ኣብ ልዕሊ ደቂ ኣንስትዮ ቀጻሊ ኣብ ዝሃለወሉ ኢና ንዝክራ ዘለና። ኮታ ኣብ ርእሲቲ ሱር ሰዲዱ ዝጸንሐ ብዙሕ ገጻት ዘለዎ ጸገም ህዝቢ፡ ተወሳኺ ሕሰም ኣብ ዘለዎ ኢና ንዝክራ ዘለና። ክታበት ዝተነፍጎ ለበዳ ኮረናቫይርስ ናይቲ ብዙሕ ገጻት ዘለዎ ማሕበረ ቁጠባዊ ጸገም ምድርራብ ዘርኢ እዩ። እዚ ኩሉ ተደሚሩ ኣብ ልዕሊ ደቂ ኣንስትዮ ዘኸትሎ ኣሉታዊ ሳዕቤን ክሳብ ክንደይ ከቢድ ምዃኑ ኤርትራውያን ንነብሮ ዘለና እዩ። ከምቲ “ኣብ ርእሲ ዘላታስ ተወሰኸታ” ዝበሃል ከኣ፡ ኤርትራውያን ኣደታት መንእሰያት ደቀን ተገዲዶም ተዓስኪሮም ኣብ ዘይምልከቶም ውግእ ኢትዮዮጵያ ክልላት፡ ትግራይ፡ ዓፋር፡ ኣምሓራን ኦሮሞን ብምእታዎም ኣብ ኣዝዩ ዓሚቕ ሻቕሎት ኣብ ዘለዋሉ እያ 8 መጋቢት 2022 ትዝከር ዘላ። ነዚ ሻቕሎተን ናብ ግብራዊ ብደሆ ኣንጻር ጉጅለ ህግዲፍ ክቕይረኦ ከኣ ኣብ ቅነ እዛ ተሪኻዊት ዕለት ቃል ክኣትዋ ይግበአን። እዚ ብደሆ ኣብኣተን ዝድረት ዘይኮነ፡ ንመላእ ሕብረተሰብ ኤርትራ ዝምልከት ናይ ቃልሲ መጸዋዕታ ምዃኑ ክዝንጋዕ ኣይግበኦን።
8 መጋቢት ደቂ ኣንስትዮ ዝሓለፈ ቃልሰንን ኣብ መስርሕ ዝተዓወተ ሸቶን ናብ ወለዶታት ዝሰጋግራላን መሰለንን ማዕርነትንን መሊኡ ንክረጋገጽ “ብድሆ” ዝብላላ ዕለት ክትከውን ይግባእ። ከምኡ’ውን ናብ ብሩህ ማዕረ ተሳተፍነትን ተጠቃምነትን ዝመርሕ መንገዲ ዝጸርጋላ መዓልቲ እያ ክትከውን ዝግበኣ። ብጽሒት ደቂ ተባዕትዮ ኣብ ቃልሲ ምእንቲ ማዕርነት ደቂ ኣንስትዮ ኣነኣኢስካ ዝረአ ኣይኮነን። እቲ ወሳኒ ግደ ግና ናይተን ደቂ ኣንስትዮ እዩ። ደቂ ኣንስትዮ ተቓሊሰን ካብቲ ድርብ ወጽዓ ምእንቲ ክወጻ ኣሕዋተን ደቂ ተባዕትዮ ኣብ ጐነን ናይ ምስላፍ ሓላፍነት ኣለወን። ናብዚ ንክበቕዓ ከኣ ደቂ ተባዕትዮ መተሃላልኽተን ዘይኮኑ ተደጋገፍተን ምዃኖም ተገንዚበን ነዚ ዘብቅዐን ስልጡን ኣቀራርባን ኣተሓሳስባን ክሕዛ ግድን’ዩ። ደቂ ተባዕትዮ’ውን ካብቲ ጸኒሓዊ ኣመለኻኽታ ወጺኦም፣ ተጠቀምቲ ናይቲ ብደቂ ኣንስትዮ ዝረጋገጽ ለውጢ ምዃኖም ተገንዚቦም ብማዕሪኡ ክስጉሙ ይግበኦም።
ኣብ ኤርትራ ምልኪ ኣወጊድካ፡ ብዲሞክራስያዊ ምምሕዳር ንምትካእ ነካይዶ ዘለና ቃልሲ ተሳትፎ ደቂ ኣንስትዮ ናቱ ምኽንያታትኳ እንተለዎ፣ ድሩት ምዃኑ ካብቲ ቀንዲ ሕጽረታትና ኣብ ቅድሚት ዝስራዕ እዩ። ካብዚ ንምውጻእ ዝግበር ጻዕሪ ከኣ ዘይንሃድመሉ ብደሆ እዩ። ሰልፊ ዲሞክራሲ ህዝቢ ኤርትራ (ሰዲህኤ) ንተሳትፎ ደቂ ኣንስትዮ ፍሉይ ግምት ሂቡ’ዩ ዝሰርሓሉ። በዚ መሰረት ኣብ ፖለቲካዊ መደብ ዕዮኡ፡ ”ሰዲህኤ፡ ደቂ ኣንስትዮ ኤርትራ ልክዕ ከም እዋን ብረታዊ ቃልሲ፡ ጉጅለ ህግዲፍ ንምውጋድ ኣብ ዝካየድ ዘይጎነጻዊ ቃልሲ’ውን ብትግሃት ክዋስኣ ዘኽእለን ባይታ ንምጥጣሕ ክሰርሕ እዩ።” ዝብል ኣስፊሩ ኣሎ። ብኸምዚ ደረጃ ግቡእ ቆላሕታ ምሃብ ሓደ ኮይኑ፡ ነዚ ኣብ ግብሪ ንምውዓል ምቅላስ ከኣ ቀንዲ ዕማም እዩ።
8 መጋቢት ኣህጉራዊ መዓልቲ ደቂ ኣንስትዮ፡ ንዘለኣለም ትንበር!
ዘለኣለማዊ ክብርን መጐስን ንሰማእታትና
ኣይኮነንዶ ኣብዚ ንርከበሉ ዘለና መበል 21 ክፍለ ዘመን፡ ቅድሚኡ’ውን ማዕጾኻ ዓጺኻ ምንባር ኮነ ምዕባይ ከምዘይከኣል ፍሉጥ እዩ ነይሩ። እዚ ድማ ሃገራት ዝምድና ክምስርታ ሓደ ካብ መባእታዊ ግደታአን ምዃኑ ዘመልክት እዩ። “ዝምድና ምስ መን?” ክበሃል እንከሎ፡ ናይ ሃገርካ ልኡላውነትን ክብርን ናይ ህዝብኻ ሓድነት፡ ረብሓን ሰላምን ከም መሰረታዊ መዕቀኒ ምውሳድ፡ ናይ ውሕሉልን ሓላፍነታውን መንግስትን ምምሕዳሩን መዕቀኒ እዩ። ናይ ሃገርካ ክብርን ናይ ህዝብኻ ረብሓን ምቕዳም ክበሃል እንከሎ ግና ናይቲ መዛምድትኻ መንግስትን ህዝብን ብማዕረ'ቲ ናትካ ክብርን ናይ ሓባር ተጠቃምነትን እውን ኣብ ግምት ዘእተወ እዩ።
“ምስ ዝዀነት ሃገር ዝህልወና ዝምድና ሓባራዊ ረብሓ ንምዕዋት ዝዓለመ እዩ። ብፍላይ፡ ምስ ጐረባብትና ሃገራት ዝህልወና ዝምድና ኣብ ሓባራዊ ዕብየትና ኣገዳሲ ግደ ክጻወት ስለ ዝኽእል፡ ልዑላውነት ሕድሕድ ብምኽባር፣ ኣብ ውሽጣዊ ጉዳያት ሕድሕድ ኢድ ብዘይምትእትታው፡ ንሰላምን ቍጠባዊ ዕብየትን ብሓባር ክንስርሕ ይግባእ።” ዝብል ፖሊሲ ሰልፊ ዲሞክራሲ ህዝቢ ኤርትራ (ሰዲህኤ) ድማ ካብዚ እምነትዚ ዝነቅል ኢዩ።
ዝምድና ተረኸበ ኢልካ ዘሊልካ እትኣትዎ ዘይኮነ፡ ጽጹይ ሕርያ መዛምድቲ ዘድልዮ እዩ። ኣብቲ ሕርያን መጽናዕትን ኣብ ግምት ዝኣትዉ፡ ቅድሚ ኩሉ ረብሓ ሃገርን ህዝብን ኮይኑ፡ ንጐረባብትን ከምቲ ናትካ ናይ ዕቤት መንገዲ ዝኽተላን ሃገራት ቀዳምነት ምሃብ ኣብ ውሳነኻ ፍሉይ ግምት ዝወሃቦ እዩ። ህግደፍ ናይ ዝምድና መለክዒኡ ቅድሚ ኩሉ ኣብ ስልጣን ዘቐጽሎ ሕርያ ምዃኑ ብተደጋጋሚ ብግብሪ ኣርእዩና እዩ። ህግደፍ ብሰንክዚ ኣብ ማዕርነትን ናይ ሓባር ተጠቃምነትን ዘየትከለ ናብ “ኣነ ዝያዳ ክጥቀም” ዘድሃበ ዝንቡዕ ፖሊሲ ዝምድናኡ ብተደጋጋሚ ህዝብን ሃገርን ለኪሙ ናብ ውግኣት ኣትዩ እዩ። ካልእ ኩሉ ገዲፍና ንናይ ክሳብ ሕጂ ዝምድና ህግደፍ ምስ ጐረቤትና ኢትዮጵያ እንተዳህሲስና ነዚ ዘነጽር ኮይኑ ኢና እንረኽቦ።
እቲ ቅድሚ ናጽነትና ኣብ መንጎ ኤርትራን ኢትዮጵያን ዝነበረ ዝምድና ናይ ተገዛእን ገዛእን እዩ። ህዝቢ ኤርትራ ካብቲ መግዛእቲ ናጻ ንምውጻእ ዘካየዶ ውግእ ከኣ ቅኑዕ ውግእ እዩ ነይሩ። እቲ ውግእ ኣብ መወዳእታ ብዓወት ህዝቢ ኤርትራ ናይ ምድምዳሙ ምስጢር ከኣ እቲ ቅንዕናኡ እዩ። ኣብ 1998-2000 ኣብ መንጎ ኤርትራን ኢትዮጵያን ዝተኻየደ፡ ብዙሓት ወገናት ንኣጀማምራኡ ከይተረፈ“ትርጉም ዘይነበሮ” ዝበልዎ ውግእ፡ ረብሓ ሃገርን ህዝብን ዝዘንግዐ፡ ብምሒር ህርፋን ስልጣን ዝተደረኸ እዩ ነይሩ። ካብ ቀንዲ ሕመቓቱ፡ ዘይጽፉፍ፡ ዘይግሉጽ፡ ዘይተጸንዐን ረብሓ ህዝቢ ዘየማእከለን ውልቃዊ ዝና ናይ ምርካብ ዕዉር ስምዒት ዝዓብለሎን ምንባሩ ኣሉ ዝበሃል ኣይኮነን።
ዝምድና ኤርትራን ኢትዮጵያን ድሕሪቲ ውግእ ን20 ዓመታት ኣብ ኩነት “ኣይሰላም ኣይውግእ” ሰንፈለል ክብል ድሕሪ ምጽናሑ፡ ኣብ ኢትዮጵያ ብዝተራእየ ምዕባለ፡ ናብ ሓድሽ ምዕራፍ ምስ ተሰጋገረ፡ ብወገን ህግደፍ ናይ መልክዕ እንተዘይኮይኑ፡ ካብ ተመኩሮኡ ዝተማህሮ ሓድሽ ኣተሓሕዛ ኣይነበሮን። ከምቲ ናይ ቀደም ዘይግሉጽ፡ ረብሓ ህዝቢ ዘየማእከለ ውልቃዊ ህልኽን ምፍዳይ ሕነን ዝደረኾ እዩ ነይሩ። እቲ ካብ መጀመርታኡ ዝተራእየ ብኣኡ እውን ዝቐጸለ፡ ማእከል ዝምድና ህግደፍን ብልጽግናን ንምድምሳስ ህዝባዊ ወያነ ሓርነት ትግራይ (ህወሓት) እዩ ነይሩ። እዚ ብግምት ዝተበጽሐ መደምደምታ ዘይኮነ፡ ኣቶ ኢሳያስ ኣፈወርቂ ጌና ምስ ዶ/ር ኣብይ ኣሕመድ ልኡኻት ምልእኣኽ ከይጀመሩ፡ ኣብ መዓልቲ ሰማእታት 20 ሰነ 2018 ዝኣወጆ እዩ። እንዳወዓለ እንዳሓደረ ከኣ እቲ “ግምጥልሽ ፖለቲካዊ ኣሰላልፋ ህግደፍ” ተጋሂዱ። እቲ ናይ ሓይልታት ዝምድና፡ በቲ ሓደ ወገን ህወሓት፡ በቲ ካልእ ወገን ከኣ ህግደፍ፡ ብልጽግናን መቃድሾን ብሓባር ምንባሩ ብንጹር ተራእዩ። ሕርያ ዝምድና ህግደፍ ብንጹር ኢድ ኣእታውነት ኣብ ጉዳይ ኢትዮጵያ ዘርኢ ብምንባሩን ብምዃኑን ሓደገኛ ሳዕቤኑ ብብሩህ ተጋሂዱ።
ብመሰረት እቲ ኣቐዲሙ ተደኲኑ ዝነበረ ኣሰላልፋ ፖለቲካዊ ሓይልታት ውግእ ኣብ ኢትዮጵያ-ትግራይ ብ4 ሕዳር 2020 ተኸፊቱ። እቲ ውግእ ንትግራይ ብንጹር ናይ ምህላውን ዘይምህላውን ሕቶ ኢዩ ነይሩ። ናይቶም ብኣንጻሩ ተሰሊፎም ዝነበሩ ሓይልታት ሸቶ ግና ሓደ ዓይነት ከምዘይነበረ ቀልጢፉ ምልክታት ኣርእዩ። ዕላማ ህግደፍ ሕነ ምፍዳይን ንስልጣነይ የስገኣኒ ዝበሎ ናይ ጐረቤት ሓይሊ ምጥፋእ ነይሩ። ዕላማ ብልጽግና ብተመሳሳሊ ኣብ ፈደራላዊ መንግስቲ ኢትዮጵያ ኣብ ስልጣን ከይወዳደረኒ ዝበሎ ውድብ ህወሓትን ህዝቢ ትግራይን ምድኻምን ተወዳዳሪ ናብ ዘይኮነሉ ደረጃ ምልማስን ነይሩ። እቲ ኣብ መስርሕ እቲ ውግእ ካብ ሰልፊ ብልጽግና ኢትዮጵያ ብርኢቶ ክርሕቕ ዝጀመረ ኣምሓራ ከኣ፡ ኣብ ትሕቲ ምምሕዳር ክልል ትግራይ ዝነበረ ራያን ወልቃይትን ናብ ምምሕዳሩ ንምምላስ ምዃኑ ብግብሪ ተራእዩ።
እቲ ውግእ ነዚ ናይ ዝምድናታት ዘለቕለቕን ዝተበተነ ሸቶን ሓቒፉ ንዝተወሰነ ምስ ተጓዕዘ፡ ውግእ መፍትሒ ክኸውን ከም ዘይከኣለ ብደረጃ ውሽጣዊ ዓቕሚ ናይቶም ተዋጋእቲ ኮነ ናይ ግዳም ሓይልታት ተጽዕኖታት “መንገዲ ዘተን ሰላምን ይምጻእ” ዝብል ሓሳብ ደራኺ ኮይኑ። ርኢቶ ሰዲህኤ ኣብዚ እውን ካብ ንግሆኡ ንጹርን ናይ ሰላማዊ ፍታሕ ደጋፍን ኮይኑ እዩ ጸኒሑ። ሰልፊ ብልጽግና ኢትዮጵያ እንተስ ዝሓሰቦ ስለ ዘዐወተ እንተስ ብውግእ ክጐዓዝ ዓቕሚ ስለ ዝሰኣነ ንዘተ ከም ኣማራጺ ክውሰድ ከምዝኽእል ምልክታት ኣርእዩ። ክሳብ ሕጂ እውን ኣብዚ ሓሳብዚ ሕስይስይ ይብል ኣሎ። ህግደፍን ኣምሓራን ግና ነቲ ናብ ሰላማዊ ፍታሕ ዝደፍእ ውሽጣውን ግዳማውን ድርኺት ተሓሲሞም“ብውግእ ኢና ንቕጽል” ኣብ ዝብል ደሪቖም። እዚ ነቲ ውግእ ክጅመር እንከሎ ዝነበረ ኣሰላልፋ ክቕይሮ ግድን ነይሩ። ከምኡ ዓይነት ምልክታት ከኣ ጐሊሑ ይረአ ኣሎ።
ጉጅለ ህግደፍ ቀዳማይ ነገር ባህሪኡ ስለ ዝኾነ፡ ካለኣይ ምኽንያት ከኣ ንመንገዲ ሰላም ብመንጽርቲ ናብ ውግእ ዝኣተወሉ ሸቶ ዘኽስሮ ስለ ዝኾነ፡ ከምኡ ውግእ ጥራይ ዝመርጽ መዛምድቲ ሃሰስ ክብል ግድን እዩ። ነዚ ዝምጥን መዛምድቲ ኮይኑ ዝረኸቦ ከኣ እቲ “ብሓይሊ ዝሓዝኩዎ መሬት ራያን ወልቃይትን ብሕጊ ኣየረክብን እየ” ዝብልን ምእንቲዚ ሓይልታት ምክልኻል ትግራይ ክሳብ ዝሰዓር ክዋግእየ ዝብል ዘሎን ክፋል ኣምሓራ መዛምድቱ ንክኸውን ሓርይዎ ኣሎ። ነዚ ንምርዳእ ነቲ ኣብ ማሕበራዊ ሚድያታት ብዛዕባ ዝምድና ህግደፍን ኣምሓራን ዝበሃል ዘሎ ንግዜኡ ኣወንዚፍካ፡ ህግደፍ ምስቶም ምኩሓት ኣምሓራ ክዛመድ ባህርያዊ እዩ። ዒራ ደኣ ኣየገድሶን እዩ እምበር፡ ነዚ ዝምድና ክሓሪ እንከሎ፡ ነቲ ብታሪኽ ናይ ኤርትራ ናጽነት ዘይቅበል ሕጂ እውን “ሎሚ ኣብ ሑመራ ጽባሕ ናብ ኣስመራ” ዝዝምር ዘሎ ሓይሊ ከም መዛምድቲ ኣይምመረጾን። በዚ ኮይኑ በቲ ሕልሚ ህግደፍ ክለኻኽም እንተዘይኮኑ፡ ዝዕወት ኣይኮነን። “ግምጥልሽ ፖለቲካዊ ኣሰላልፋ ህግደፍ።“ ናይ ምባልና መበገሲ ከኣ እዚ እዩ።
ኣብ ኤርትራ ዘሎ ሕማቕ ኩነታት ሓቢእካዮ ዝሕባእ ኣይኮነን። ኣብታ ሃገር ሕገ-መንግስቲ የለን፡ ዝመስለካ ምዝራብ ኣይፍቀድን፡ ምርጫ ኣይካየድን፡ ቁጠባ ባይታ ዝዘበጠ እዩ፡ ጉዳይ ትምህርትን ጥዕናን እሞኸኣ ዝገደደ እዩ፡ ክታበት ኣንጻር ኮረና ብመንግስቲ ኣይፍቀድን እዩ፡ ሕጽረት ጸዓትን ኤለክትሪክን ገዲዱ እቲ እንኮ ምርጫ ምስ ጸልማት ምልምማድ ግድን ኮይኑ….. ወዘተ፡ እንዳበልካ ንምዝርዛር ርኡይ ስለ ዝኾነ ምርምር ምክያድ ወይ ምስክር ምጽዋዕ ኣየድልን።
እቲ ኣብ ኤርትራ “የመሓድር ድዩ ይገዝእ ዘሎ” ምፍላዩ ዘጸግም ጉጅለ፡ ነዚ ኩነታት ቅድም ክሓብኦ እዩ ዝፍትን ነይሩ። ደሓር ምሕባኡ ዘጸገም ምስ ኮኖ ግና ክእመን ተገዲዱስ ናይቲ ኩሉ ጸገማት ጠንቂ ባዕሉ እንከሎ፡ ኣስማት ባዕሉ ዝፈጠሮም ጸላእቲ እናዘርዘረ ንካለኦት ከላግበሎም ዘይፈንቀሎ እምኒ ኣይነበረን። መዓልቲ እንዳነወሐ እቲ ዘቕርቦ ምኽንያታትን ተሓተትቲ ዝብሎምን እንዳተዳኸሞ ምስ ከደ፡ ግና ናብ ካልእ ከላግቦ ከምዘይክእል ፈሊጡ እቲ ጠንቂ ባዕሉ ምዃኑ ካብ ዝእመን ሓያሎ ኮይኑ። ምኽንያቱ ከምቲ “እነሀ ዝብል ኣይሓሱ” ዝበሃል፡ ንሃለዋት ኤርትራ ብመርተዖታት ኣሰኒኻ ክቐርቦ ዝጸንሐ ሓያል ተቓውሞ ዝሕበል ስለ ዘይኮነ፡ ኣቶ ኢሳያስ ኣፈወርቅ ንገዛእ ርእሱ ኣይኮነንዶ ኣብ ግዜ ህግደፍ ዝተሰርሐ ክህሉ፡ እቲ ቅድም ዝነበረ ምስሊ ኤርትራ እውን ኣሰሩ ከም ዘየለ ንፋብሪካታትን ከተማታትን ከም ኣብነት እንዳጠቐሰ ተኣሚንዎ እዩ። ስለዚ ናይ ሎሚ ኤርትራ ነዚ ዘለናዮ ዘመን ዝምጥን ሓድሽ ትሕተ-ቅርጻ ዘይተሃንጸላ ጥራይ ዘይኮነት፡ ዝነበራ ዘጥፈአት ሃገር ምዃና ብሩህ እዩ። እዚ ከኣ ናይ ስእነት፡ ድኽነትን ጭንቅን እምበር ናይ ራህዋ፡ ርግኣትን ብልጽግናን መግለጺ ተርእዮ ኣይኮነን። ምናልባት ንሰላም ኣብ ውሽጢ ከተማታት ድምጺ ጥይት ብዘይምስማዕ ጥራይ ንዝርድእዎ ግና ኤርትራ ዓዲ ደሓን ዘላ ይመስሎም ይኸውን። ግን እዚ እውን ምስቲ ኤርትራውያን፡ ኣብ ትግራይ፡ ዓፋርን ወልቃይትን ምናልባት እውን ኣብ ከባቢ ኦሮሞ ይወድቁ ምህላዎም እታ “ኤርትራ ሰላም እያ” እትብል መነየቲት እውን ደቃ ኣብ ዘይምልከቶም ውግእ እንዳሃለቑ ትርጉም የብላን።
ህላወ ኢድ ህግደፍ ኣብ ውግእ ኢትዮጵያ ከምቲ ንህልዊ ኩነታት ኤርትራ ዝምልከት ዛዕባ፡ ብብዙሕ እምነትን ክሕደትን ተሰንዩ ክጐዓዝ ዝጸንሐ እዩ። ወዮ ኣቶ ኢሳያስ ዋና ምዃኑ ኣብ 2018 “ጉዳይ ወያን ጸወታ ተወዲኡ (weyane game over) ኣብ ጉዳይ ኢትዮጵያ ኢድና ኣጣሚርና ኣይንርእን“ ክብል ዓለም ሰሚዓቶስ፡ ድሕሪ ውግእ ብ4 ሕዳር 2020 ኣብ ትግራይ ምብራዑ “ህግደፍ ኣብቲ ውግእ ኣትዩ ኣይኣተወን” ዘካትዕ ኣይምኾነን። ህግደፍ ባዕሉ እውን ኣጽቂጡ እምበር “ኣይኣተናን” ኣይበለን። እቶም ኤርትራ ምንም ዕቤት ከም ዘየርኣየት ኢሳያስ ባዕሉ እንዳመስከረ እንከሎ፡ ካብ ህግደፍ ዝያዳ ህግደፍ ክኾኑ ዝፍትኑ፡ ንኤርትራ ዓዲ ብርሃን፡ ሓጐስ፡ ጽጋብን ጥዕናን ገይሮም ክስእልዋ ዝፍትኑ፡ ኣብ ጉዳይ ኢድ ኣእታውነት ኣብ ውግእ ኢትዮጵያ እውን፡ ንሓንሳብ ምስቲ ኢሳያስ ኣፈወርቂ ኣዋዲቕዎ ዝነበረ፡ ትግባረ ብይን ዶብ ኤርትራን ኢትዮጵያን፡ ንሓንሳብ ድማ ምስ ምትኳስ ሚሳይል ናብ ኣስመራ ኣተሓሒዞም ከመላኽዕዎ ፈቲኖም እዮም። ሚሳይል ዝተተኮሰ ድሕሪ 14 መዓልታት ምእታው ሰራዊት ኤርትራ ናብቲ ውግእ ምንባሩ ብሩህ እዩ። ኢሳያስ ግና ኣብ ርእሲቲ ናይ ቅድሙ “ጉዳይ ወያን ጸወታ ተወዲኡ (weyane game over) ዝበሎ፡ መመሊሱ “ውግእ ኢትዮጵያ ጉዳይና ኢዩ፡ ተዓዘብቲ ንኾነሉ ኣይኮነን” እንዳበለ ኣረጋጊጽሎም እዩ። እቶም “ካብ ህግደፍ፡ ዝያዳ ህግደፍ ንምምሳል” ዝተግሁ እንብሎም ዘለና ኣካላት ከኣ እቲ ህግደፍ ዘዝበሎ ብዘይምምዝዛን ተተቐቢሎም ምቅላሕ ከይኣኽሎም፡ ነዚ ባዕሉ “ኣብዚ ኣለኹ” ዝብል እቲ መወከሲኦም ጉጅለ እውን ዝተኣመነሉ ዓይኑ ዘፍጠጠ ሓቂ ጓስዮም ካብ ዘይጭበጥ ሓበሬታ እናተበገሱ ዝህውትቱ ዘለዉ ኢዮም።
እቲ ዘገርም ግና እቲ ህውተታ ናብ ተጋሩ እውን ይልሕም ምህላዉ እዩ። ገለ ካብ ህወሓት ዝያዳ ሓለይቲ መጻኢት ትግራይ መሲሎም ክረኣዩ ዝደልዩ፡ ትግራይ ንኤርትራ ብምንእኣስ እትዓቢ ዝመስሎም ንዕዘብ ኢና። ኣብዚ ቀረባ መዓልታት ሓደ ኣብ ህልዊ ውግእ ትግራይ ጽልዋ ኣለኒ በሃላይን ንኢድ ኣእታውነት ህግደፍ ኣብ ውግእ ትግራይ ኣምሪሩ ዝቃወምን፡ ንታሪኻ፡ ሕጋውነታ፡ ናይ ህዝባ ቃልስን ርእሰ-ውሳነ ብመንገዲ ረፈረንደምን ኣህጉራዊ ሕግን ዓይኑ ኣዕሚቱ ክሒዱ፡ “ድሕሪ 4 ሕዳር 2020 ውግእ ኣብ ትግራይ ምጅማሩ እሞ ህግደፍ ኢዱ ምእታዉ፡ ኤርትራ ልኡላዊ ኣይኮነትን” ክብል ተሰሚዑ። ከምቲ “ወሓጥዮ እንተበልኩዋስ ትጐስሞ” ዝበሃል ከኣ፡ እዚ ርኢቶኡ ንብዙሓት ተጋሩን ገለ ኤርትራውያንን ከም ዝውክል ኣምሲሉ ይጠቅስ። እሞ ከኣ“ትግራይ ጽባሕ ልኡላዊት ሃገር ክትከውን እያ” ኢሎም ካብ ዝኣምኑ ባእታታት ሓደ ምዃኑ እዩ። ነዚ ባእታዚ “ናብ ልብኻ ተመለሰ፡ ህድእ ኢልካ ሕሰብ” ኢልናዮ ኢና ክንሓልፍ። ርኢቶ ናይዚ ባእታ፡ ንህዝቢ ትግራይ ከምዘይውክል ግና እምነትና ምሉእ እዩ። ህዝቢ ትግራይ ጽባሕ እንታይ ይውስን ድማ ንዓኡ ዝምልከት እዩ።
ናብቲ ቀንዲ ዘንቀለና ጉዳይና ክንምለስ፡ ደገፍቲ ህግደፍ ምስቶም ንህግደፍ ካብ ርኡይ ኩነታት ነቒሎም ዝቃወሙን ምእንቲ ዝሓሸት መጻኢት ኤርትራ ዝቃለሱን ተሃላሊኾም ንህግደፍ ምስቲ ኩሉ ሓጥያቱ ክድግፉ እንከለዉ፡ ልዕሊ ኩሉ ምስ ሓቂ ይላተሙ ከም ዘለዉ ክርድኡ ይግበኦም። ንኣብነት ኣብ ኤርትራ ምርጫ የለን፡ ክታበት ኮቪድ-19 ኣይፍቀድን፡ ዘመናዊ ማሕበራዊ መራኸብታት የለን፡ ኤርትራዊ ዜጋ እናሃለኻ፡ ፈቓድ ህግደፍ ክትመልእ 2% እንተዘይከፊልካ ወይ ወተሃደር ኰንካ እንተዘየገልጊልካ ብዜግነትካ ክትረኽቦ ዝግበኣካ ኣገልግሎታት ትሕረም እንተ በልካ፡ ነቲ ሓደ ንምሕጓስ ወይ ነቲ ካልእ ንምጉሃይ ዘይኮነ፡ ኣብ ኤርትራ ዘሎ ርኡይ ሓቂ ንሱ ስለ ዝኾነ እዩ። ስለዚ ነዚ ክሒድካ ንህግደፍ ልዕሊኡ ህግደፍ ኮይንካ ከተመላኽዖ ምፍታን ልዕሊ ኩሉ ምስ ህዝብን ሓቅን ምብኣስ እዩ።
ንርከበሉ ዘለና መበል 21 ክፍለ-ዘመን ሓደ ካብ መለለይታቱ፡ ምዕባለ ማሕበራዊ ሚድያ ኣብ ዝበረኸ ደረጃ ምብጽሑ እዩ። ማሕበራዊ መድያ ኣብ ኩሉ ህይወትን መነባብሮን ደቂ ሰባት ሓያል ተጽዕኖ ክፈጥር ዝኽእል ብዝተፈላለዩ መልከዓት ናይ መራኸብታት ዝግለጽ እዩ። ኣብ ቁጠባን ዕዳጋን፡ ኣብ ትምህርትን ሕክምናን፡ ኣብ ርክብን ምቅርራብን ብፍላይ ከኣ ኣብ ስሉጥ ምዝርጋሕ ሓበሬታ ግደ ዕቤት ማሕበራዊ ሚድያ ክሳብ ክንደይ ወሳኒ ምዃኑ ብሩህ እዩ። ሳላዚ ምዕባለ'ዚ ብዙሓት ወገናት ናይ ስራሕ ዕድል ምርካቦም እውን ካልእ ጠቕሙ እዩ። በዚ ምሰረት ኢና ከኣ ሎሚ ዓለምና ሳላዚ ስሉጥ ምልውዋጥ ሓበሬታ ናብ ንእሽቶ ቁሸት ኣብ ዝተቐየረትሉ ደረጃ ምቅርራብ በጺሓ ኣላ እንብል።
ክፍለጥ ዝግብኦ ግን፡ ማሕበራዊ ሚድያ ክልተ ብልሒ ዘለዎ ወሳኒ መሳርሒ ምዃኑ እዩ። እቲ ሓደ ብልሒ፡ ብግቡእን ብሓላፍነትን ክንጥቀመሉ እንከለና ዝህበና ኣውንታዊ ኣገልግሎት እዩ። እቲ ካልእ ብልሒ ከኣ ብዘይሓላፍነታዊ ኣገባብ ክንጥቀመሉ እንከለና ኣብ ብዙሕ መዳያት ዘስዕበልና ኣሉታ እዩ። በቲ ኣውንታኡ ሓድነት፡ ፍቕሪ፡ ናይ ሓባር ረብሓ ምውሓስ ዝከኣል ክኸውን እንከሎ፡ በቲ ካልእ ወገን ብዘይሓላፍነታዊ መንገዲ ክንጥቀመሉ እንከለና ዘኸትሎ ምብትታን፡ ምጽልላምን ንጸላኢኻ ዕድል ምኽፋትን ዘኸትል እዩ። ሎሚ እዚ ክልቲኡ ሳዕቤናት ናብ ካልእ ከይከድና ኣብ ደንበ ቃልስናኳ ብግብሪ ንርእዮ ዘለና ሓቂ እዩ።
እቲ ኣውንታዊ ጠቕሚ ማሕበራዊ ሚዲያ ኣዝዩ ሰፊሕ ዝርዝር ዘለዎ፡ ኩሉ-መዳያት ህይወት ሰባት ዝጸልው ኮይኑ፡ ቀንዲ መግለጺኡ ብኣካል ምርኻብ ኣብ ዘይተኻእለሉ፡ ሓበሬታ ብቕልጡፍ ምትሕልላፍ ዘኽእል ምዃኑ እዩ። ብግብሪ ከምዝረኣናዮ ድማ፡ ረብሓ ማሕበራዊ ሚድያ ዓለምና ብሰንኪ ለበዳ ኮቪድ-19 ኣብ ስግኣትን ጨንቅን ኣብ ዝኣተወሉ ግዜ ኣበርክቶኡ ዕዙዝ እዩ ነይሩ። ኣገዳስነት ሓበሬታ ብቕልጡፍ ምዝርጋሕ ብፍላይ ኣብ ከምዚ ኣብ ኤርትራ ነካይዶ ዘለና ቃልሲ ክሳብ ክንደይ ወሳኒ ምዃኑ ርኡይ እዩ። ሎሚ እቲ ብኣካል ተራኺብካ ሓበሬታ ንምልውዋጥን ኣብኡ ተመስሪትካ ውሳነታት ንምውሳንን ዝሓቶ ዝነበረ ናይ ገንዘብን ግዜን ወጻኢ ምውጋድ ተኻኢሉ እዩ። ብኣካል ንምርኻብ ከይተገደድካ ብሳላ ምዕባለ ማሕበራዊ ሚድያ ኣኼባታት፡ ሰሚናራትን ጉባአታት ምክያድ ምኽኣሉ ናይ ንዋትን ግዜን ወጻኢታት ምድሓን ናይቲ ኣውንታዊ ብልሒ ማሕበራዊ ሚድያ መርኣያ እዩ።
ኣብዚ እዋንዚ ናይቲ ኣብ ኤርትራ ለውጢ ንምምጻእ ኣብ ወጻኢ ኮይኑ ዝቃለስ ዘሎ ሓይሊ ሕጽረታት ተባሂሎም ካብ ዝምዝገቡ ሓደ ምስቲ ናይቲ ቃልሲ ዋናን ወሳንን ዝኾነ ኣብ ሃገሩ ዘሎ ህዝቢ ክራኸብ ዘይምኽኣሉ እዩ። ኣብ ኤርትራ ብማሕበራዊ ሚድያ ምስ ህዝቢ ንምርኻብ ጸገም ከም ዘሎ ፍሉጥ እዩ። ናይቲ ጸገም መሰረታዊ ምኽንያት ከኣ ህግደፍ ህዝቢ ካብ ናቱ ሓሳብ ዝተፈልየ መማረጺ ርኢቶ ከይከታተል ዝኽልክል ምዃኑ ሓደ እዩ። ብዓብዩ ከኣ ከምቲ ናይ ህግደፍ መራሒ እውን ደጋጊሙ ባዕሉ ተጠሊዑ ዝተኣመነሉ እቲ ነዚ ዘኽእል ኢንተርኔት ከምቲ ካልእ ትሕተ-ቅርጻታት ዘይምህላዉ ሓደ እዩ። ኣብ ኤርትራ እቲ ጸገም ኢንተርነት ዘይምህላዉ ጥራይ ዘይኮነ፡ መንግስቲ ኮነ ኢሉ ናብ ህዝቢ ክባጻሕ ስለይዘደሊ ኢዩ። ኢንተርነት ጥራይ ዘይኮነ ታራ ተለፎን ዝዕጸወሉ ኣጋጣምታት እውን ኣሎ። ኣብ ርእሲዚ ኤርትራ ሓንቲ ካብተን ዝበዝሔ ገንዘብ ንመስመር ኢንተርነት እትኸፍል ሃገር ምዃኑ እዩ ዝንገር። በቲ ክርከብ ዝኽእል ኣዝዩ ጸቢብ ዕድል ናይ ኢንተርነትከ ብማሕበራዊ ሚድያ ናብ ህዝብና እነመሓላልፎ መልእኽቲ፡ ነቲ ነካይዶ ዘለና ለውጢ ናይ ምምጻእ ቃልሲ ዝሕግዝ ድዩ ዝጐድእ? ዝብል ሕቶ ምርኣዩ ኣገዳሲ እዩ። እነመሓላልፎ መልእኽቲ ተስፋ ዝህብ ድዩ ተስፋ ዘቑርጽ፡ ብዛዕባ ዘሳንየናን ዘሰማምዓናን መልእክቲ ዲና ንዝርግሕ ወይ ብዛዕባ ዝፈላልየናን ዘረሓሕቐናን ኢና ንሕብሮ? ዝብሉ ጉዳያት እውን ብተገዳስነት ክሕሰበሎም ዝግብኡ እዮም። ማሕበራዊ ሚድያ ተረኽበ ኢልካ እትትኩሰሉ ዕጥቂ ዘይኮነ፡ ኣቐዲምካ ሓሲብካን መሚኻን ክትግልገለሉ ዝግባእ ተሃዋሲ መሳርሒ ምዃኑ ምስትውዓል ኣገዳሲ እዩ።
ኣብዚ ኣብ ኤርትራ መሰረታዊ ለውጢ ንምርግጋጽ ቀጻሊ ቃልሲ ነካይደሉ ዘለና እዋን ማሕበራዊ ሚድያ ብደረጃ ውድብ ይኹን ማሕበር ወይ ብውልቂ ውሽጣዊ ዓቕምና ነማዕብለሉ፡ ንህዝብና ብዛዕባ ጸረ ህዝባውነት ህግደፍ እነስተምህረሉ፡ ህይወቱ ንምምራሕን ጥዕናኡ ንምሕላውን ዝሕግዞ ትምህርቲ እንህበሉን ናይ ተቓሊሶም ዝተዓወቱ ህዝብታት ተመኩሮታት እነቕስመሉን ክኸውን ይግበኦ። ኣብ ርእሲዚ ኣብ ወሳኒ ናይ ሓቢርካ ምቅላስ መድረኽ ስለ ዘለና፡ ዋላ ይንኣስን ይውሓድን ዘራኽበና ኣተሓሳስባ እነሕይለሉ፡ በቲ ካልእ ገጽ ድማ ንዝፈላልየና ርኢቶታት ንቕድሚት ከነምጸኦ ኣብ ዘይግበኣሉ ግዜ ምህላውና ብግብርን ብቃልን እነመስክረሉ ግዜ ምህላውና ምንጻር የድሊ። ዘለና ዓቕሚ ማሕበራዊ ሚድያ ከኣ በዚ ክቃነ ይግበኦ።
ብኣንጻርዚ ንፍልልይና እነተዓባብየሉ ንዘሰማመዓና ትርጉም እነስእነሉ ኣካይዳ እንተኾይኑ፡ በቲ ኣሉታዊ ብልሒ ማሕበራዊ ሚድያ ንጥቃዕ ኣለና ማለት እዩ። ካብቲ ኣሉታ ወጺእና እቲ እወንታዊ መንገዲ ንምሓዝ እምበኣር ቅድሚ ማሕበራዊ ሚድያ ተረኽበ ኢልና ምትኳስ፡ “እንታይ ኢና ክንብል ዝግበኣና እንታይከ ክንብል ኣይግበኣናን” ኢልና ብጽሞና ክንሓትትን ክንምልስን ናይ ግድን እዩ። ሕሉፍ ሓሊፉ ንማሕበራዊ ሚዲያ ኮነ ኢልካ ንሓድነት ኣብ ዝሃሲ፡ ምቅንጽጻል፡ ምጽልላምን ምዝራግ ውልቃዊ ማሕበራዊ ህይወት ሰባትን ክትዝርገሖ ምፍታን ኣዝዩ ኣሉታዊ እዩ። እቲ ካልእ ዝዓበየ ኣሉታዊ መግለጺ ናይ ማሕበራዊ ሚድያ ኣጠቓቕማ ከኣ መዘርግሒ ናይ ሓሶት ጌርካ ምጥቃሙ እዩ። ምናልባት ሳላዚ ዕቤት ማሕበራዊ ሚድያ ገንዘባዊ ረብሓ ዝረኽቡ ይህልዉ ይኾኑ። ኣብዚ እውን ንዓኻ ክትጥቀም ክትብል ንኻልእ ካብ ምጉዳእ ምዕቃብ፡ ሓደ ካብ ንማሕበራዊ ሚድያ ኣብ ኣውታዊ ረብሓ ምውዓሉ እዩ።
ኣብዚ እዋንዚ ኤርትራ እትልለየሎም ሕማቕ ምስልታት ብዙሓት እዮም። ፍትሒ ኣልቦነት፡ ብኩራት ኩሉ ዓይነት ሰብኣውን ዲሞክራስያውን መሰላትን ዋሕዚ ናብ ስደትን ከም ኣብነት ካብ ዝጥቀሱ መለለይኣ ካብ ዝኾኑ ነዊሕ ኮይኑ እዩ። ስደት ኣብ ኤርትራ ካብ እዋን መግዛእቲ ዝጀመረ፡ ነዊሕ ዕድመ ዘለዎ ኮይኑ፡ ኣብ ግዜ ህግደፍ ከኣ ኣዝዩ ገዲዱ። ጠንቂ ስደት ብዙሕ ኮይኑ ናይ ኤርትራ ህልዊ ስደት መሰረታዊ ጠንቂ ኣብታ ሃገር ዘሎ ኩርኳሕ ምምሕዳር እዩ።
ናይዚ ኣብ ኤርትራ ንነዊሕ ዓመታት ዝቐጸለ ሕጂ እውን ዘይዛረየ ስደት መሰረታዊ ምኽንያት እቲ ኣብ ኤርትራ ዘሎ ምምሕዳር ባዕሉ ክነሱ፡ ነቲ ጠንቂ ካብኡ ንምርሓቕ ዘቕርቦ ብዙሕ ምህዞታት ኣለዎ። ካብቶም ንስደት ኤርትራውያን መንእሰያት ተሓተትትን መለዓዓልትን ገይሩ ክቕርቦም ዝፍትኖም ብሓፈሻ ሃገራት ምዕራብ ብፍላይ ከኣ ምምሕዳር ኣሜሪካ ኮይኖም ከምኡ ከኣ ንህዝባዊ ወያነ ሓርነት ትግራይ ተሓተቲ ይገብሮም። እቲ መሰረታዊ ጠንቂ ግና እዞም ዝኸሶም እንተገደደ ጽልዋ ካብ ምሕዳር ዘይሓልፉ ናይ ግዳም ወገናት ዘይኮኑስ፡ እቲ ወሳኒ ጠንቂ ኤርትራዊ ውሽጣዊ ምኽንያት ምዃኑ ዘይሕበል ሓቂ እዩ።
ቀንዲ ደፋኢ ጠንቂ ስደት ኤርትራውያን መንእሰያት መጀመርታኡ እምበር መወዳእትኡ ዘይፍለጥ ግዱድ ወተሃደራዊ ኣገልግሎት ምዃኑ ብዘይካ ህግደፍ ኩሉ ዝረዳዳኣሉ እዩ። ካብዚ ንምድሓን ሃገሮም ለቒቖም ዝተሰዱ ኤርትራውያን ኣብ ዝተፈላለያ ሃገራት ዑቑባ ዝረኸቡኳ እንተለዉ ናብዚ ንክበጽሑ ኣብቲ መስርሕ ዝኸፍልዎ ዋጋ ኣዝዩ ክቡርን ክሳብ ህይወት ዘኽፍልን ምዃኑ ፍሉጥ እዩ። ካብቶም በዚ ኣጸጋሚ መስርሕ ዝሓለፉ መንእሰያት እቲ መሰረታዊ ፍታሕ ስደት ዘይኮነ፡ እቲ ናብ ስደት ዘገደደ ጠንቂ ምምሓው ምዃኑ ተገንዚቦም ኣብ ቃልሲ ዘለዉ ብዙሓት እዮም። ቃልሶም ከሐይሉ ናይ ዕቑባ ሕተኦም ፍታሕ ክረከብ መሰረታዊ ቅድመ ኩነት እዩ። ሰልፊ ዲሞክራሲ ህዝቢ ኤርትራ ኣብ 3ይን ሓድነታውን ጉባአኡ “ጉዳይ ስደተኛታት ዝምልከተን ዓለም ለኻዊ ትካላትን ሃገራትን፡ ናይ ዓለም ሕግታት ኣኽቢረን፡ ኣብ ኤርትራ ዘሎ ስርዓት መሰላት ህዝቢ ዘየኽብር፡ ህዝቢ ሃገሩ ራሕሪሑ ክወጽእ ዝደፋፍእን ዜጋታቱ ምቕባል ዝሕሰምን ምምሕዳር ምዃኑ ኣሚነን መሰል ኤርትራውያን ስደተኛታት ንከኽብራን ሰዲህኤ ይምሕጸነን። “ ክብል ዝጸወዐ ከኣ ካብዚ ነቒሉ እዩ።
ብኣንጻርዚ ተመሊሶም ነቲ “ጠንቂ ስደትና ንሱ እዩ፡ ዑቑባ ተኸሊእና ናብ ሃገርና እንተ ተመሊስና ከኣ ኣብ ኤርትራ ዝመርሕ ዘሎ ኣካል ክመቑሓናን ክቐትለናን እዩ” ኢሎም፡ ዑቑባ ምስ ረኸቡ፡ ተመሊሶም ብምስጢር ድዩ ብጋህዲ ነቲ ስርዓት ዘገልግሉን ክልተዓይኒ ዝርእዩን ውሑዳት ስደተኛታት ኣለዉ። እዚ ተግባርዚ ንሕቶ ዕቕባኦም ኣብ ሓደጋ ከምዘእትዎ ዘየጠራጥር ኢዩ። ንኣብነትኳ ሓንቲ ካብተን ኤርትራውያን ተቐቢለን ምኽንያት ስደቶም ተረዲአን ዑቕባ ዝህባ ለጋሳት ሃገራት ኖርወይ እያ። ኣብዛ ኢዳ ዘርጊሓ ኤርትራውያን ዘዕቆበት ሃገር፡ ኣብዚ ቀረባ ግዜ ናይ 150 ኣብ ኖርወይ ናይ ምንባር ፈቓድ ዝረኸቡ ኤርትራውያን መዛግብቲ፡ ብትእዛዝ ናይታ ሃገር ሚኒስትሪ ፍትሒ ብክፍሊ ኢሚግረሽን ኖርወይ ተመርሚሩ። ከም ውጽኢት ናይቲ መርመራ ከኣ ናይ 13 ካብቶም መዛግቦም ዝተመርመረ መንበሪ ፈቓድ ክስረዝን 4 ከኣ ካብታ ሃገር ክስጐጉን ተወሲንዎም ዝብሉ ዜናታት ይስምዑ ኣለዉ።
እዚ መርመራ ክካየድ ዝደረኸ፡ ኣብ ወርሒ ነሃሰ 2019፡ ኣብ ከተማ ኦስሎ፡ የማነ ገብረኣብ ኣማኻሪ ኢሳያስ ኣፈወርቅን ናይ ህግደፍ ፖለቲካዊ ሓላፍን ኣብ ዝተረኽበሉ፡ ናይቲ ብሰንኩ ተሰዲድና ዝበልዎ ምጅማር ግዱድ ዕስክርና ኣብ ኤርትራ ዝምልከት ጽንብል ብምስጢር ምስታፎም ነይሩ። ናይ ኖርወይ ኢሚግረሽን ኣብቲ ናይ ኤርትራውያን መዛግብቲ ዝመርመረሉ መስርሕ ካብ ዝመዝገቦ ገበናት፡ ብዛዕባ ውልቀ መንነትካ ግጉይ ሓበሬታ ምሃብ፡ ብዛዕባቲ ዕቑባ ንክትሓትት ዘቕረብካዮ ምኽንያት ዘይቅኑዕ ምዃንን ናይታ ሃገር ሕግታት ምጥሓስን ዝብሉ ይርከብዎ።
ናብዚ ኩሉ ዋጢጥ ኣብጺሑ ዘሎ እምበኣር፡ ንሓንሳብ ኣንጻር ህግደፍ ንሓንሳብ የማናይ ኢድ ህግደፍ ክልተ ዓይኒ ምርኣይ ምዃኑ ፍሉጥ እዩ። እዚ ጉዳይዚ ኣብዚ ዝተጠቕሰ ኣሃዝ መዛግብቲ ስደተኛታት ጥራይ ከይተደረተ፡ ናብ መዛግብ ኩሎም ኣብታ ሃገር ብሰሪዚ ኣብ ኤርትራ ዘሎ ስርዓት ክንስደድ ተሰዲድና ብዝብል ምኽንያት ዑቕባ ዝረኸቡ ኤርትራውያን ከይልሓም ዘየስግእ ኣይኮነን። ኣብዚ እዋንዚ ሃገራት ናይ ህዝበን ድሕንነትን ምርግጋእን ዝያዳ የገድሰን ስለ ዘሎ፡ እዚ ናይ ሃገር ኖርወይ ተመኩሮ ናብ ካለኦት ተመሳሳሊ ልግሲ ዘርኣያ ሃገራት ናይ ምልሓም ዕድል ከይህልዎ ዘየተሓሳስብ ኣይኮነን።
ስለዚ ህግደፍ ንህዝብና ኣብ ገዛእ ሃገሩ ደም የንበዖን ጽልእን ውግእን እናዓደመ የዳምዮን ከም ዘሎ፡ እቶም ኣብነት ኮይኖም ክምስክሩን ከቃልዕዎን ዝግበኦም ተጠውዮም ብምስጢር ከገልግልዎን ጅቡኡ ክመልእሉን ዝፍትኑ ኢደ-እግሮም ክእክቡ ክንነግሮምን ከነጠንቅቖምን ይግበኣና። ካብ ቀድሙ ስደተኛ ተመሲሎም ደድሕሪቲ ስደተኛ እናሰዓቡ ክዘርግዎ ዝዓለሙ ክህልዉ ከም ዝኽእሉ ምግማት ናይ መስተውዓልቲ ተግባር እዩ። ንሳቶም እውን ንገዛእ ርእሶም ክልተ ዓይኒ ክርእዩ ክብሉ ኣብ ሓደጋ ኣትዮም ንኻለኦት ከይልክሙ ክሓስቡ ይግበኦም። እንተ ህግደፍ ኣብ ሃገር ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ዝፍጽሞ ዘሎ በደል ስለ ዘየዕግቦ፡ ኤርትራውያን ኣብ ዝኸድዎ እንዳሰዓበ ሰላሞምን መነባብረኦምን ካብ ምዝራግን ሜላታት እንዳፈጠረ ገንዘቦም ካብ ምምንዛዕን ዓዲ ከምዘይውዕል ፍሉጥ እዩ።
ርእሰ-ዓንቀጽ ሰዲህኤ
ጉጅለ ህግደፍ ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ኤርትራ ዝፈጸሞን ዝፍጽሞ ዘሎን ጥልመት ኣብ ቅድሚ ኩሉ ብሩህ ስለ ዝኾነ ምዝርዛር ዘድልዮ ኣይኮነን። እቲ ጥልመት ማዕረ ህግደፍ ነዊሕ ዕድመ ዘለዎ ጥራይ ዘይኮነ፡ ክሳብ ሕጂ እውን መልከዓቱ እንዳቀያየረ ቀጻሊ ዘሎ እዩ። እቲ ናይ ኣቀጻጽልኡ ኣገባብ ብዙሕ እዩ። በብእዋኑ፡ 2%፡ ንኣካለ ስንኩላን ንደቂ ስዉኣት …. ወዘተ እንዳበልካ ዝካየድ ዝተመላኽዐ ቀዋሚ ምዝማት ገንዘብ ሓደ መልክዕ ኮይኑ፡ በብግዜኡ እናዘናጋዕካ ኣብ ጁባ ሰባት ኢድካ ሰዲድካ ዝካየድ ናይ “ገንዘብ ውለዱ ሃቡ” ወፈራታት እውን ምስዚ ደሚርካ ዝረአ እዩ።
እቲ ጉጅለ ቅድም-ቀዳድም ጸገምን ሻቕሎትን እዩ ዝፈጥር። ደሓር ካብቲ ባዕሉ ኮነ ኢሉ ዝፈጠሮ ጸገም “ንምውጻእ” ብዝብል ጉልባብ ኣሰናቢዱ ናይ ምዝማት መርበባቱ ይዝርግሕ። ናይቲ ዝዋጻእ ገንዘብ መዓላ ግና ኣብቲ ንመመሳመሲ ዝተማህዘ ዛዕባ ዘይኮነ፡ ናብ ጁባ ናይቲ ጉጅለ እዩ ዝኣቱ። ኣብ ከምዚ ኩነታት እቲ ገንዘብ ኣብ ሳጹኑ ምስ ኣተወ “ኣበይከ ኣውዒልካዮ?”; ዝብል ምትሕስሳብ ምቕራብ፡ ካብቲ ገንዘብ ዘይምኽፋል ዘይንእስ ገበን ገይሩ እዩ ዝወስዶ። ንኣብነት ናይ ህዝቢ ኣፍልጦ ዘየብሉን ንህዝቢ ዘየርብሕን ውግእ ይኸፍት እሞ፡ ብጉልባብ መከላኸሊ ልኡላውነት “ክተት ንሃገር” ብዝብል ልብኻ ዝበልዕ ስብከት ኣዳህሊሉ ገንዘብ ኣዋጽኡ ይብል። ህዝቢ ኤርትራ ኣብ ገዛእ ሃገሩ ሓሪሱን ነጊዱን ዝበልዓሉ መንገድታት ዓጽዩ ጥሜት ይፈጥር እሞ “ንሕና እንከለና ህዝብና ኣይጠምን” ዝብል ነጋሪት ወቒዑ “ሕጂ’ውን ገንዘብ ኣምጺኡ” ይብል። እቲ ምኽንያት መመሊሱ ይፍጠር’ሞ እቲ ገንዘብ ሃቡ ከኣ ንዓኡ ተኸቲሉ ይቕጽል።
ጉጅለ ህግደፍ ነዚ ተግባሩ ኣብቲ ብምዕጋብ ድዩ ብምድንጋር ሰማዒ እዝኒ ዝረኸበሉ ኣብ ዝተወሰነ ኤርትራዊ ዲያስፖራ ከም ባህሊ ኣስሪጽዎ እዩ። ኣብዚ ኣገራምን “ገለ ዲያስፖራ ኤርትራ፡ ይዕሾ ድዩ ዘሎ ይግራህ?” ዝብል ሕቶ የልዕል ኣሎ። ኣብዚ እቲ ኣዘራራቢ ዝኸውን፡ ስለምንታይ? ንእንታይ መዓላ? ክሳብ መዓስከ? ከይበልካ መመዚዝካ ገንዘብካ ምምጣው እዩ። ብሓፈሻ መላእ ህዝቢ ኤርትራ፡ ብፍላይ ከኣ እቲ ንተደጋጋሚ ገንዘብ ናይ ምኽፋል ግዳይ ዝኸውን ዘሎ ዝተወሰነ ዲያስፖራ፡ “ኣብ ውግእ ኣቲና እሞ መዋግኢ ገንዘብ ኣዋጽኡልና?” ክበሃል እንከሎ፡ ቅድሚ ክኸፍልዶ ኣይከፍልን? ምባሉ፡ “እቲ ዝተኸፍተ ውግእ፡ ምስ መንዩ?፡ ንረብሓ መንዩኸ? እቲ እንኮ መፍትሒኸ ንሱ ድዩ ነይሩ? ዝብሉ መሰረታዊ ሕቶታት ሓቲቱ መልሲ ክሳብ ዝረኽበሎም ክቕጽል ምተገበኦ። ምኽንያቱ ናይዞም ሕቶታት እዚኣቶም መልስታት እዮም እንተ ንምኸፋል ወይ ንዘይምኽፋል ክውስኑ ዝግበኦም። ጉዳይ ጥሜት እውን ከምኡ፡ ስለምንታይ እዩ ህዝብና ጻዕራምን ፈታው ስራሕን ክነሱ፡ ናይ ተኾብቲ ልግሲ ክጽበ ተገዲዱ? ናይ ዝብል ሕቶ መልሲ ምርካብ ኣገዳሲ እዩ። እዚ ዓለምና ንህዝቢ ኤርትራ ብናጻ ዝለገሰቶ ክታበት ኮቪድ-19ኳ ዝነፈጎ ጉጅለ፡ ንህዝብና ክዕንግለሉ ኢልና ነዋጸኦ ገንዘብከ ኣብ መዓላኡ ክውዕል ድዩ?” ኢሉ ክሓትትን መልሲ ክረኽበሉን እውን ናይ ግድን ክኸውን ምተገበአ።
ንሓደ ጉዳይ ኣብቲ መጀመርታ መሲሉካ ተቐቢልካ ከተተግብር እንከለኻ ክትዕሾ ወይ ክትግራህ ዘጋጥም እዩ ኢልካ ክሕለፍ ዝተለምደ እዩ። ደሓር ኣብ ጌጋ መንገዲ ከም ዝነበርካ ምስ ተረዳእካ፡ ነቲ ዝሓለፈ ንድሕሪት ክትመልሶ ኣይትኽእልን ኢኻ። ኣብ ክንዲ ካብቲ ዝሓለፈ ተመኲርካ ኢደ-እግርኻ ምእካብ ምድግጋሙ ግና ንቡር ኣይኮነን። ነታ “ክትከይድ እንከለኻ ዝዓንቀፈትካ እምኒ፡ ክትምለስ እንከለኻ እንተደጊማትካ ንስኻ ኢኻ እምኒ” ትብል ምሳልያዊ ኣዘራርባ ኣብ ከምዚ ኩነታት ምስትብሃላ ውሕልነት እዩ። ኣብ ቅድሚ ድሌታትን መደባትን ናይቲ ሓሲብካ ኢሉኳ ዘየናሕሲ ጉጅለ ህግደፍ “ኣይፋል ንኣገዲድካን ኣፈራሪሕካን ምውጻእ ገንዘብ” ኢልካ ምቅዋም ዋጋ ከም ዘኽፍል ማንም ኤርትራዊ ዝስሕቶ ኣይኮነን። እንተኾነ ሓቀኛን ቅኑዕን መንገዲ ብዘይዋጋ ከምዘይርከብ ንዝተረደአ ኣካል እቲ ዋጋ ቀሊል እዩ። ምናልባት ናብ ትውልዲ ሃገርካ ኬድካ፡ ኣብ ንግደት ዓድኻ፡ ኣብ መርዓን ቀብርን ቤተሰብካ ኣይትሳተፍን። ኣብ ኤርትራ ብዘጥረኻዮ ሃብቲ እንተልዩካ ዘይትጥቀመሉ ክትከውን ትኽእል። እተኾነ ብመንጽር ምእንቲ ሓቅን መሰል ህዝብን ምስላፍ እዚ ዋጋ ከቢድ ኣይኮነን። እንተተኽፍለ እውን ሓደ እዋን ብቃልስኻ ተዓዊትካ እትከሓሶ እዩ ዝኸውን። ኢሳያስ ኣፈወርቅን ጉጅለኡን ጽባሕ ንውልቆም እምበር ህንጻታትን ኣባይትን ሒዞም ኣይኮኑን ክጽረጉ።
ብፍላይ እቲ ከምቲ ኣብዚ ሰሙንዚ ኣብ ዝተፈላለያ ከተማታት ሃገረ ጀርመንን ካለኦት ሃገራት ምዕራብን ዝጉስጐሰሉ ዘሎ ብኢድ ኣእታውነት ኣብ ውግኣ ኢትዮጵያ-ትግራይ ኣሳቢብካ ንህግደፍ ዝወሃብ ገንዘብ ኣሉታዊ ሳዕቤኑ ቁጠባዊ ማህሰይቲ ጥራይ ኣይኮነን። ህይወት መንእሰያት ዘህልቕን ጸጋታት ሃገርን ዘህልኽን ዘሎ እዩ። ብዘይካዚ ኤርትራውን ዞባውን ሰላም ዝዘርግ ምዃኑ’ውን ምስትብሃል ኣገዳሲ እዩ። ካብዚ ሓሊፉ ጉጅለ ህግደፍ ሎሚ ይፍጽሞ ንዘሎ ገበን ዝሕተተሉ ህዝቢ ኤርትራ ዘይኮነ ባዕሉ እዩ። ሎሚ ንዓኡ ገንዘብ ምሃብ ከኣ ክንድቲ ናቱኳ እንተዘይኮነ ብውሕዱ ብተሓባባርነት ሕልናዊ ተሓታትነትን ጣዕሳን ከም ዘኸትል እቶም ሎሚ ጅባኡ ዝመልእሉ ዘለዉ ገለ ኤርትራውያን ዲያስፖራ ክዝንግዕዎ ኣይግበኦምን። ህግደፍ ኣይኮነንዶ ንጉዳይ ካለኦት ክከላኸል ንገዛእ ርእሱ ተሓታቲ ዝኾነሉ ግዜ ርሑቕ ከምዘይኮነ ምግንዛብ ብልህነት እዩ።
እቶም ንህግደፍ ገንዘብ ዝኸፍሉ ዘለዉ ሰኣን ኣፍልጠኦም እዮም ምባሉ ኣጸጋሚ እዩ። ምኽንያቱ ኤርትራውያን ነዚ ጉዳይ ብዘረድእ ሃብታም ተመኩሮ ስለ ዝሓለፉ። እቲ ናይ ቅድሚኡ ዝነበረ ገዲፍካ፡ ኣብዘን ዝሓለፋ 30 ናይ ድሕሪ ናጽነት ዓመታትኳ፡ ኣይኮነንዶ ኤርትራውያን ዓለም እውን ንሓቀኛ ወጻዒ ባህርያት ህግደፍ ፈሊጣቶስ ንኤርትራ ብሰንኩ “ኣፍሪቃዊት ሰሜን ኮርያ” ዝብል ቅጽል ክሳብ ምሃብ ምብጸሓ ብሩህ እዩ። ምስዚ ኩሉ መርተዖታት፡ እዞም ውሑዳት ዲያስፖራ ኤርትራ እንዳፈለጡ እዮም ንጉጅለ ህግደፍ ዶላራትን ዩሮን ዘሕቁፍዎ ዘለዉ ኢልካ ምድምዳም ስለ ዘጸግም፡ “ገለ ዲያስፖራ ኤርትራ፡ ይዕሸዉ ድዮም ዘለዉ ይግርሁ?” ክበሃሉ ባህርያዊ ይኸውን።
ጉጅለ ህግደፍ ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ኤርትራ ዝፍጽሞ ወጽዓ ኣብ ኩሉ መዳያት እዩ። እቲ ኣብ መዳይ ፖለቲካ ዘሎ ዘይሕገመንግስታዊ ምምሕዳር፡ ብኩራት ብምርጫ ዝቖመ መሪሕነታዊ ትካላት፡ ምኽላእ ናጽነት ምውዳብን ሓሳብካ ምግላጽን ምስቲ ገደብ ዘየብሉ ግድዱ ዕስክርና ደሚርካ ቅድሚት ዝስራዕ እዩ። ህዝቢ ኤርትራ ኣብ ገዛእ ሃገሩ ናጻ ኮይኑ ከይሓርስን ከይነግድን ብግጉይ ህዝቢ ዘየሳትፍ ፖሊሲታት ኢደ-እግሩ ኣሲርካ ግዳይ ዘይሕጋዊ ንግድን ናይ ራሺን ቁጠባን ከም ዝኸውን ምግባሩ እውን ካልእ ናይቲ ጭቆና መልክዕ እዩ።
ህዝቢ ኤርትራ ካብ ነዊሕ ግዜ ጀሚሩ ኣብ ማሕበራዊ መዳይ ኣብ ኣዝዩ ጽንኩር ኩነታት ከም ዘሎ፡ ኣብ መዳያት ሕክምናን ትምህርትን ብፍላይ ከኣ ኣብ ስእነት ዝኾነ ዓይነት መድሃኒት፡ ኣብ ስእነት ፍትሒ፡ ኣብ ኢደ ወነናዊ ኣልማማ ማእሰርትን ኣብዚ ሃገርዚ ተራእዩ ዘይበሃል ኣተሓሕዛ እሱራትን ግህሰትን ኩሉ ዓይነት መሰረታዊ ሰብኣዊ መሰላትን እንተሪኢና፡ ዝርዝር ትሕዝቶኡ ኣብ መበል 21 ክፍለ-ዘመን ከጋጥም ኢልካ ዘይትግምቶ ድሑር እዩ። ህዝብና ከኣ ስም ጥራይ ሒዛ ኣብ ዝተረፈት ሃገር “ቋሕ ተበልካ ሰማይ፡ ሰም ተበልካ ምድሪ” ኮይንዎ፡ ከምቲ “ናተይ ኢንተልካዮ መቓብር እውን ይመውቕ” ዝበሃል፡ ተስፋ ብዘይምቑራጽ ኣብ ጸልማት ይነብር ኣሎ። መራሒ ህግደፍ እውን ባዕሉ “ኩሉ ነገር የለን” መግለጺ ኤርትራዊ ህይወት ምዃኑ ብዘይሕፍረት ብተደጋጋሚ ዝገለጾ እዩ።
ጉጅለ ህግደፍ ህዝቢ ኤርትራ ኣብ ከምዚ ዝኣመሰለ ጽልሙት ህይወት ከም ዝነብር ዝገበሮ ከምቲ ከመሳምሶ ዝፍትን፡ ዓቕሚ ስኢኑ ወይ ከኣ ናይ ግዳም ሓይልታት ስለ ዝኣገድዎ ኣይኮነ። ብፍላይ ኣብዚ እዋንዚ ዶብ ሰጊሩ ኣብ ዘይጉዳዩ እንዳተዋግአ፡ ምስምሳቱ ቦታ የብሉን። ቀንዲ ምኽንያቱ እምበኣር ህዝቢ ኤርትራ ማሕበረ-ቁጠባዊ ሕቶኡ ተመሊስሉ ንስልጣኑ ዝፈታተን ሕቶታት ከየቕርበሉ ስለ ዝሰግእ እዩ። እዚ እቲ ጉጅለ “ህዝቢ ኣእሚንካን ሕቶታቱ መሊስካን ዘይኮነ፡ ኣገዲድካን ገጽ ከሊእካንዩ ክምራሕ ዝግበኦ” ብዝብል እኩይ ኣተሓሳስባ ከም ዝምራሕ ዘርኢ እዩ። እቲ ካልእ እቲ ጉጅለ ዝጥቀመሉ ስልቲ ኣብ ኤርትራ ዘሎ ሓቀኛ ኩነታት ከይፍለጥ፡ ዘይመንግስታዊ ሚድያታት ዓጺኻን ናይ ወጻኢ ማዕከናት ዜና ናብ ኤርትራ ከይኣትዋ ከልኪልካን ነቲ ሓቀኛ ምስሊ ምሕባእ ኮይኑ ጸኒሑ። ሎሚ ሎሚ ግና ሳላ ዕቤት ናይቲ ሰንጢቕካ ናይ ምእታው ዓቕሚ ዘለዎ ማሕበራዊ ሚድያ ናይ ምሕባእ ዓቕሙ ተዳኺሙ እዩ። ኣብዚ ቀረባ ግዜ ጉጅለ ኮሚሽነራት ሕቡራት ሃገራት ናብ ኤርትራ ምእታዉ ከኣ ነዚ ዘርኢ እዩ።
ሓቢእካ ዘይሕባእ ዓለም ዘጨነቐ፡ ለበዳ ኮረና ቫይረስ ወራር ካብ ዘካይድ ድሮ ዓመታት ኣቑጺሩ ኣሎ። እዚ ክስተት ምስ ኣጋጠመ እውን ጉጅለ ህግደፍ ንዝተወሰነ ግዜ በቲ “ርኡይ ናይ ምሕባእ” ባህሪኡ ቀጺሉ። ደሓር ግና ድሕሪ ክንደይ ምዕጥጣይ ኣብ ኤርትራ ከም ዝተኸሰተ ተኣሚኑ፡ ነቲ ኣብ ህዝቢ ዝወርድ ዝነበረ ጉድኣት እንዳ ነከየ ነቲ ማህሰይቲ ከነኣእሶ ፈቲኑ። ብግብሪ ግና ዋላውን እቲ ንዓለም ዝንገር ይውሓድ እምበር፣ ህዝቢ ኤርትራ በቲ ለበዳ ካብ ምልካፍን ሙማትን ኣይደሓነን። ዓለምና በዚ ኩነታት ተጨኒቓ ዝሓሸ ዓቅሚ ዘለወን ሃገራት ነተን ዓቕሚ ዘየብለን መከላኸሊ መሳርሒ ክልግሳ ምስ ጀመራ ህግደፍ ከምቲ ልማዱ ነቲ ልግሲ ነጺግዎ። እዚ ከኣ ካልእ ኮነ ኢልካ ህዝቢ ናይ ምጉዳእ ዕላማ ከም ዝነበሮ ዘርኢ ጭብጢ ኮይኑ ተመዝገበ። ነቲ ህዝቢ ንኸይጥቀመሉ ኣናኣኢሱ ዝነጸጎ መከላኸሊ፡ ሂይወቱ ንምድሓን ግና ተጠቒምሉ እዩ።
ድሕሪ ክንደይ ናይ ሊቃውንቲ ዓለም ምምርማርን ጻዕርን ክታበት ምስተማህዘ፡ ጉጅለ ህግደፍ ብዘይርህራሀ ንህዝቢ ኤርትራ ነቲ ብናጻ ክረኽቦ ዝኸኣለ ክታበት እውን ነፊግዎ። በዚ መሰረት ከኣ ኤርትራ ከምቲ፡ ብምእሳር ጋዜጠኛታት፡ ብብዝሒ ስደተኛታትን ብዝሒ ኣብያተ-ማእሰርትን ቅድሚት እትስረዖ “እንኮ ንህዝባ ክታበት ዝነፈገት ሃገር” ተባሂላ ተመዝጊባ ኣላ። በዚ ከኣ ህዝብና እቲ ኣንጻር ኮሮና ቫይረስ ናይ ምክልኻል ዓቕሚ ኣብ ምሕያል ርኡይ ኣበርክቶ ዘለዎ ክታበት ተነፊግዎ ኣሎ። ምልስ ኢልና ቅድሚ ክልተ ዓመታት ዘጋጠመ ዘይሓላፍነታዊ ምዕጻው ኣብ ኤርትራ ዝነበራ ትካላት ጥዕና ካቶሊካዊት ቤተክርስትያን ምስዚ ምእጋድ ክታበት ተደሪቡ ኣብ ግምት ዝኣቱ እዩ።
ኣብዚ እዋንዚ መልከፍትን ሞትን ብኮቪድ-19 ኣብ ኤርትራ መመሊሱ እናወሰኸ ዝኸይድ ዘሎ። እቲ በቲ መንግስቲ ብዝሓደሮ ሕማም ሞይቱ እንዳተባህለ ዝቐርብ ዘሎ ኣሃዛት ካብቲ ኣብ ባይታ ዘሎ ዝተፈልየ ምዃኑ ኣብቲ ዓውዲ ዘለዉ ኣካላት ዝህብዎ ምስክርነት እዩ። ኤርትራውያን ብዝተፈላለየ ምኽንያታት ክገሹ እንከለዉ ናብተን ዝኸድወን ሃገራት ንምእትው ክታበት ከም ቅድመ-ኰነት ሰለ ዘቕርባ ከይኣትዉ ይኽልከሉ ኣለዉ። ብሰንኪ ዘይምኽታብ ኣብ ወጻኢ ሃገር ከይዶም ክሕከሙ ብዘይምኽኣሎም ዝሞቱ ኤርትራውያን ኣለዉ። ደራሲ ተስፋየ ገብራኣብ ካብ ኤርትራ ንሕክምና ናብ ሃገረ ሽወደን ከይዱ ብሰንኪ ዘይምኽታቡ ካብ መዓርፎ ነፈርቲ ምምላሱ ካብ ጠንቅታት ሞቱ ሓደ ምንባሩ ምጥቃሱ ኣብነት እዩ። ጋንታ ብሽግለታ ኤርትራ ብሰንኪ ኣባላታ ዘይምኽታቦም ናብ ወጻኢ ከይዳ ካብ ምውድዳር ትእገድ ከም ዘላ ኣብዚ ቀረባ መዓልታ ክቃላሕ ዝቐነየ ዜና እዩ።
ነዚ ተዓዚቦም ኩነታት ህዝቦም ስለ ዘተሓሳስቦም ኣብዚ ቀረባ ግዜ ኣብ ውጻኢ ዝነብሩ 62 ኤርትራውያን ክኢላታት ሕክምና ድምጺ ህዝቦም ኮይኖም፡ ውድብ ጥዕና ዓለም ክታበት ናብ ህዝቢ ኤርትራ ዝበጽሓሉ ኩነታት ክፈጥር ምሕጽንታ ምቕራቦም ዝተባባዕ እዩ። ብወገኖም ካብኣቶም ዝድለ ከበርክቱ ድልውነቶም ምርግጋጾም ከኣ ዝነኣድ ተወፋይነት እዩ። እቶም ካለኦት ኣብ ወጻኢ ኮይኖም ብጸጋ ናይተን ዝነብሩለን ሃገራት ክታበት ኮቪድ-19 ጥራይ ዘይኮነ፡ ኩሉቲ ንህዝቢ ኤርትራ ተነፊግዎ ዘሎ መሰል እንዳረኸቡ፡ ምስቲ መሰል ህዝቢ ኤርትራ ዝኸልእ ጉጅለ ተጐዝጒዞም “ቀጽሎ፡ ንኺድ ጥራይ” ዝብሉ ወገናት ህዝቦም ይብድሉ ከም ዘለዉን ጽባሕ ከም ዘጣዕሶምን በዚ ኣጋጣሚ ኢደ-እግሮምን ገንዘቦምን ካብ ህግደፍ ክስሕቡ ነዘኻኽሮም።