ኣብዚ ዝሓለፈ መዓልታት ኣብ ኤርትራ ንዞባ ቀርኒ ኣፍሪቃ ዝምልከት ብሚኒስትሪ ፍትሒ ዝተወደበ ምይይጥ ከም ዝተኻየደ ዝሕብር ዜና ኣብ ጸቢብ ክሊ ክዘውር ተዓዚብና። ብመሰረቱ ኣብታ ካብ ጉጅለ ናብ ውልቀሰብ ተንቆልቁል ዘላ ትካል ህግደፍን፡ ብናይ ሓሳብ ዕጽዋ ትሳቐ ዘላ ኤርትራን ከምዚ ዝኣመሰለ መድረኽ ተፈጢሩ ምባሉ ዘደንጹ እዩ። ዝያዳ ኣዛራቢ ዝኾውን ድማ ኣጀንዳ ናይቲ ርክብ “ምይይጥ ብዛዕባ ፍትሒ፡ ዕቤትን ጀኦ-ፖለቲካን ቀርኒ ኣፍሪቃ” ዝብል ምንባሩ እዩ።
እቲ ኣጋጣሚ ኣዛራቢ ዝኸውን እቲ ዝተላዕለ ዛዕባ ዘይንቡር ስለ ዝኾነ ኣይኮነን። እቶም ዝተጠቕሱ፡ ፍትሒ፡ ዕቤትን ጀኦ-ፖለቲካን ቀርኒ ኣፍሪቃ ዝብሉ ኣምራት እዋናዊ ስለ ዘይኮኑ’ውን ኣይኮነን ኣገራሚ ዝኸውን። እቲ ዝያዳ ኣዛራብን ዘደንጹን ዝገብሮስ፡ እቲ ንኤርትራን ህዝባን ጀሆ ሒዙ ዘማስኖም ዘሎ ጉጅለ ህግደፍ፡ ዘቤታዊ ሓላፍነቱ ረጥሪጡ ደገ ደገ ዘማዕዱ እንከሎ፡ ናብ ዞባ ቀርኒ ኣፍሪቃ ምምጥጣሩ እዩ። እቶም በቲ ኩነታት እናተገረሙ፡ ነቲ ተረኽቦ መዛረቢ ዝገብርዎ ከኣ ኤርትራ፡ ሕገመንግስቲ ዘየብላ፡ ተሓታትነት ዘለወን ትካላት መንግስትን ሓቀኛ መስርሕ ፍትሕን ዝተነፍጋ፡ ህዝባ ብዝመረጾ ናይ ምምሕዳር መሰል ዘየብሉ፡ ናይ እምነት፡ ሓሳባካ ምግላጽ፡ ምንቅስቓስን ሕውዳብን ነጻነት ዝበኾራ፡ መንገዲ ህውከትን ውግእን ብዘቐድም ግሉጽነት ብዘየብሉ ናይ ወጻኢ ፖሊሲ ከም እትምራሕ ዝፈልጡ ወገናት እዮም።
ህግደፍ ኣብ ከምዚ ዓይነት ድራማ ክዋሳእ ዝመረጸ፡ ሓቀኛ ምስሉ ሓቢኡ ናይ ሓሶት ምስሊ ለቢሱ ንምቕራብ ዝመሃዞ እዩ። እንተኾነ ሓቀኛ ጸረ ዲሞክራስን ሰብኣዊ መስልን ምስሊ ህግደፍ “ሓቢእካ ክትሓብኦ” ኣብ ዘይከኣለሉ ጽፍሒ ካብ ዝበጽሕ ነዊሕ ግዜ ኮይኑ እዩ። “እዝኒሲ ንዋናኣ ጓና እያ” ከም ዝበሃል፡ ነቲ ባዕሉ ጠፋጢፉ ዘቕርቦ ሓሶት እምበር፡ ነቲ ብኻለኦት ዝበሃሎ ዘይራኣዮን ዘይሰምዖን ከይከውን ክበሃል ዝከኣል ኣይኮነን። ምኽንያቱ ሎሚ ጸረ ህዝቢ ተግባራት ህግደፍ ኣብ ቅድሚ ሕብረተሰብ ዓለም ከይተረፈ ጸሓይ ዝወቐዖ ሓቂ እዩ። ኤርትራ ብሰንኩ፡ ኣብ ዝኾነ ብደረጃ ዓለም ዝወጽእ ናይ ሕመቕን ድሕረትን ዝርዝር ኣብ ቀዳሞት እያ እትስራዕ ዘላ።
ጉጅለ ህግደፍ ከምቲ ሎሚ’ኳ ይተርፍ ኣሎ እምበር፡ “ጠሪጣስ ተትሓንከለይከ” ዝበሃል ምስላ፡ ኣብ ክንዲ በቲ ዝኸፈአ ጸረ ህዝቢ ተግባራቱ ዝሓፍርን ከመሓይሽ ዝፍትንን፡ ኣፉ መሊኡ “ብዛዕባ ፍትሒ ዝዛረብ መድረኽ ከፊተ” ምባሉ፡ የገርም። ውጽኢቱ ግና “ክረኣያ ክብላስ ይእረያ” ከም ዝበሃል፡ ተመሊሱ ንዓኡ ዘቃለዖ ከም ዝኸውን ዘጠራጥር ኣይኮነን። ምስዚ ግና ዕሉል ጸረ ፍትሕን ጸረ ጥጡሕ ምምሕዳርን ክነሱ፡ ክንዲ “ፍትሒ፡ ምዕባለን ጀኦ-ፖለቲካን” ዝኣክል ዓብይቲ ጉዳያት ኣብ ቅድሚ’ቲ “ኣፉ ለጒሙን ኢደ-እግሩ ኣሲሩን” ዝድህኾ ዘሎ ህዝቢ ኤርትራ ክወራዘ ምሕላኑ፡ ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ዘለዎ ንዕቀት ዘመልክት እዩ። እቲ ንዕቀቱ ኣብ ህዝቢ ኤርትራ ጥራይ ዝድረት ዘይኮነ፡ ብደረጃ ዞባ ዘለዎ፡ ኣብ ማእከል ጐልጐል ንካለኦት ምንዓቕን ምንእኣስን እውን የርኢ። እዚ ህግደፍ ክሳብ ክንደይ ዝነዓቕ እምበር ንካለኦት ክንዕቕ ዘኽእሎ ሞራል ዘየብሉ ምዃኑ ዝርዳእ ከምዘይኮነ ዘገንዝብ እዩ። ምናልባት እቶም ኣብ ዘይምልከቶ እናኣተወ ሃተፍተፍ ክብል እንከሎ ንዒቖም ዝገድፍዎ፡ ዝፈርሕዎን ዘኽብርዎን ይመስሎ’ውን ይኸውን።
ኣብዚ ወይዘሮ ፎዝያ ሓሽም ብእትመርሖ ስማዊ ሚኒስትሪ ፍትሒ ተወዲቡ፡ ሰለስተ መዓልታት ጸኒሑ ዝተባህለ ዋዕላ፡ ካብ ሰነጋል፡ ኢትዮጵያ፡ ሊባኖን፡ በልጅም፡ ፈረንሳን ኒካራጉዋን ተሳትፎሞ ዝተባህሉ ኣካላት፡ ካብ ተመኩሮ ህግደፍ ብዛዕባ ፍትሕን ዕቤትን ዝቐስምዎ ተመኩሮ ከምዘይህሉ ይስሕትዎ እዮም ኢልካ ዝግመት ኣይኮነን። እንተኾነ ምናልባት ደኾን “ናትና ተመኩሮ ኣብቲ መድረኽ ኣቕሪብና ናይ ህግደፍ ኣተሓሳስባ ንቕይር ንኸውን” ዝብል ተስፋ ወኒኖም ይኾኑ። ኮይኑ ግን ህግደፍ ኣብዚ ኣትይዎ ዘሎ ድሕረት ዝወደቐ፡ ሰኣን ተመኩሮ ዘይኮነ፡ ብሰንኪ ጨካን ባህሪኡ፡ ናብ መንገዲ ደሓን ናይ ምምላስ ዕድሉ ዘብቀዐ ጉጅለ ስለ ዝኾነ እዩ።
ናይቲ ዋዕላ ዕማማት ተባሂሎም ካብ ዝተጠቕሱ ካለኦት ነጥብታት፡ “ናይ ኤርትራ ቀጻሊ መስርሕ ዕቤት ምግራሕ” ዝብል ሓሳብ ይርከቦ። ብግብሪ ግና ኣብ ኤርትራ ብዘይካ ወገሐ-ጸብሐ ዘይትግበር ባዶ መብጸዓታት ምእታውን ካዛና’ቲ ጉጅለ ምህጣርን እዚ እዩ ዝበሃል፡ ዝግራሕ ኮነ ዝቕለስ ህዝቢ ዝርብሓሉ፡ መደባት ልምዓት የለን። ብመሰረቱኸ ናይ ገዛእ ዜጋታቱ ኣብ ምልማዕ ሃገሮም ዘለዎም መሰል ኣብ ዝተነፍገግሉ ሃዋህው፡ መስርሕ ልምዓት ሃገር ኣሎ ክበሃል ኣይከኣል ድዩ። ዜጋታቱ ኣብ ገዛእ ሃገሮም ንገዛእ ርእሶም ተጠቒሞም ሃገሮምን ህዝቦምን ክጠቕሙ ብዘይፈቅድ ጸቢብ ጉጅለ፡ ኣብ እትምራሕ ሃገር ንወጻእተኛታት ኣውፈርቲ እተብሃግ ክትከውን ከኣ ዘይሕሰብ እዩ።
ተበዲልካ መሰልካ እትሓተሉ መስርሕ ፍትሕን ድሕንነትን ኣብ ዘየብላ ኤርትራ፡ ደፊሩ ገንዘቡ ዘፍስስ ኣውፋሪኸ ከመይ ኢሉ ይህልው። እቶም ቅድሚ ሕጂ መሲልዎም፡ ገንዘቦም ከውፍሩ ዝፈተኑ’ሞ ዝተጠልሙ ኤርትራውያን፡ ዓው ኢሎም’ኳ እንተዘይተዛረቡ፡ ክሳብ ክንደይ ኣብ ጣዕሳ ከም ዝወደቑ፡ ባዕላቶም ዝፈልጥዎ እዩ። ኣብ ርእሲዚ መንእሰያታ ብሰንክ’ቲ “መንግስቲ እየ” ዝብል ጉጅለ ስለ ዝተሰዱ ብቑዕ ሓይል ሰብ ኣብ ዘየብላ፡ ቀረብ ማይ፡ ጸዓትን ኢንተርኔትን ወሲኽካ፡ መሳለጥያ መራኸብን ነጻነት ምንቅስቓስን ኣብ ዘየብላ ኤርትራ፡ ዋዕላ ተኻይዱ ዓውደ መጽናዕቲ እንተተደግመ ኣውፈርቲ ምስሓብ ኣይክኣልን እዩ። ንሱ ጥራይ ኣይኮነን፡ ኣብዚ ቀረባ ግዜ መንገዲ ኣየር ኢትዮጵያ “ኣብ ባንክ ኤርትራ ዘቐመጥኩዎ ገንዘበይ ተዘሚተ” ክብል ዘውጸኦ መግለጺ ጥራይ እንተወሲድካ ኣውፈርቲ ኣብ ኤርትራ ገንዘቦምን ንዋቶምን ከየፍስሱ ዓብይ መጠንቀቕታ ከም ዝኸውን ርዱእ እዩ።
“ብዕቤት ኣፍሪቃን ዞባዊ ምትእስሳርን” ዝግደስ ኮይኑ ክቐርብ ዝፍትን ህግደፍ፡ ካብቲ ዘለዎ ሓንካሪ ባህሪኡ ነቒሉ፡ ካብ የመን ክሳብ ጅቡቲ፡ ካብ ኮንጎ ክሳብ ኢትዮጵያ ብፍላይ ድማ ኣብ ውግእ ትግራይ ዝነበሮ ኣዝዩ ሕማቕ ድሕረ-ባይታ ኣቐሚጡ፡ “ፈውሲ ሕንኪ ውሒጡ” ጐይታ ልምዓትን ዞባዊ ምትእስሳርን ቀርኒ ኣፍሪቃ ክመስል ምፍታኑ ዘተዓዛዝብ እዩ። ዲክታተር ኢስያስ ኣብዚ ቀረባ መዓልታት ካብ ናይ ቻይና መገሽኡ ክምለስ እንከሎ፡ ኣብ ዝሃቦ ሓጺር ቃለ መጠይቕ፡ “ብዛዕ ዞባና ክትሓስብ እንከለኻ ሕብረት ኣፍሪቃን ኢጋድን ኢልካ ምጥቃስ ትርጉም የብሉን፡ ምኽንያቱ ስለ ዘየለዉ” ምባሉ፡ ኣብ እንዳ ህግደፍ ክሳብ ክንደይ እግርን ኮበሮን በበይኑ ኮይኑ ምህላዉ እዩ ዘርኢ። ኢጋድ ናይ ሃገራት ቀርኒ ኣፍሪቃ ምትእኽኻብ ምዃኑ ዘይቅበል ወይ የለን ኢሉ ዝኽሕድ ኣካል ዝመርሓ ኤርትራ እያ እምበር፡ ብጂኦ-ፖለቲካ ቀርኒ ኣፍሪቃ እትግደስ መሲላ ብፎዝያ ሃሽም ብዝተወደበ ዓውደ-መጽናዕቲ ዞባዊ ጐስጓስ ኣካይደ ትብለና ዘላ።
ኤርትራዊ ፖለቲካዊ ምትህልላኽ ነዊሕ ዕድመን ዝተፈላለዩ መልከዓት ሒዙ ክጐዓዝ ዝጸንሐን ዘሎን እዩ። ከምዚ ንክኸውን እቲ ዝለዓለ ኣሉታዊ ብጽሒት ዘለዎ ጉጅለ ህግደፍ ኮይኑ፡ እቲ ካልእ ሓይልታትን “ክንስማዕ ንኽእል ኢና ባሃልቲ” ወገናትን ‘ውን እጃም የብሎምን ማለት ኣይኮነን። ሕማቕ ታሪኽን ምስልን ህግደፍ ርሑቕ ከይከድና በቲ ኣብ ልዕሊ ህዝብና ዝፍጽሞ ዘሎ “እዚ ይጐድሎ’ዩ ዘይበሃል” ኩለ-መዳያዊ ግህሰትን ጥልመትን ዝግለጽ ኮይኑ፡ ካብ ድኽመታት ናይቲ ኣንጻር ህግደፍ ዝቃለስ ዘሎ ሓይልታት ተቓውሞ ድማ “ዓቕሙ ጠርኒፉ ኣንጻር ጸላኢኡ ዘድምዕ ዓቕሚ ክፈጥር ዘይምኽኣሉ” ቅድሚት ዝስራዕ እዩ።
ኣብ ሕድሕድ ውዳበ ደንበ ተቓውሞና መሰረታውን ዘይመሰረታውን ናይ ኣተሓሳስባ ፍልልያት ኣለዉ። ብዙሓት ውዳበታት ናይ ምህላዎም ምስጢር ከኣ እዚ እዩ። ካብቲ ፍልልይና ነቲ ዘይመሰረታዊ ኢና ንዘይምኽኑይ ምርባሕ ውድባት ጠንቂ ኮይኑ ኢልና እንነቕፎ። ምኽኑይ ፍልልያት ምህላዉን ብኣኡ መሰረት ብዝተፈላለየ መልክዕ ምውዳብናን ግና ናይ ምውዳብ መሰል ጥራሕ ዘይኮነስ፡ ክዕወት ኣለዎ ዝባሃል ተወድዳሪ ሓሳብ ምቕራብ እምበር፡ ሓጥያትን ዕንቅፋት ቃልስን ኣይኮነን። ናይ ኩሉ ውዳበታት ዝለዓለ ናይ ሓባር ሽቶ ምውጋድ ስርዓት ህግደፍን ኣብ ክንድኡ ህዝባዊ ስርዓት ምትካልን ስለ ዝኾነ ኢና ከኣ ብዝሒ ውዳበታት ከም ዘየሰክፍ ጌርና እንጠቕሶ።
እቲ ዝዓበየ ሸቶና ናይ ሓባር ኮይኑ፡ ዘለና ፍልልይ ኣብ ኣወጋግናኡን ኣተገባብርኡን ዘትከለ እዩ። ኣብ ከምዚ ኩነታት እቲ ሓደ መዋጸኦ ነቲ ፍልልያት ናብ ሓደ ኣረዳድኣ፡ ኣወዳድባን ሓቢርካ ምስራሕን ምምጻእ እዩ። እዚ ኣብ ዘይተኻእለሉ ከኣ በበቲ ዝሓዝካዮ ኣተሓሳስባን ኣወዳድባን እናተሓጋገዝካን እናተኸባበርካን ተትኽእሎ ምግባር እዩ። ኣብዚ መስርሕ ከምቲ ርኢቶኻ ብኻልኦት ወገናት እንተኾነ ተቐባልነት ረኺቡ ክስራሓሉ እንተዘየሎ ከኣ ክኽበረልካ እትደልዮ፡ ናይ ካልኦት ርኢቶን ኣተሓሳስባን ናይ ምኽባር ግደታ ከም ዘለካ ምእማን መግለጺ ስልጡን ቃልሲ እዩ። ናይ ካልኦት ርኢቶ ምኽባር ጥራይ ዘይኮነ፡ ኣብቲ ዝወስድዎ ኣውንታዊ ስጉምቲ ምትብባዕ እውን ኣካል ስልጡንን ውሕሉልን ኣመሓዳድራ ፍልልያት እዩ።
ካብዚ ሓሊፉ ዘየለ ድኽመት ጠፋጢፍካ ብምፍጣር ወይ ነቲ ዓብይ ኣውንታ ጐሲኻ ንንእሽቶይ ድኽመት ኣተዓባቢኻ ነቓፋይን ተዓዛባይን ምዃን ንቕድሚት ዘሰጉም ኣይኮነን። ምኽንያቱ ከምዚ ዓይነት ዘይሓጋዚ ኣቀራርባ ጽባሕ ንስኻ ንእትወስዶ ስጉምቲ እውን ኣብ ቅድሜኻ ተገቲሩ ክጸንሓካ ስለ ዝኽእልን፡ ውጽኢቱ ከኣ ተተሓሒዝካ መፍቶ’ቲ ንምጥርናፍና “ከም ቁርን ኣስሓይታን ዝፈርሖ” ህግደፍ ምዃን ስለ ዘስዕብ።
ኣብዚ እዋንዚ “ከመይ ጌርና ተጠርኒፍና ኣብ ልዕሊ ህግደፍ ዘድምዕ ዓቕሚ ንፈጥር? ” ዝብል ሕቶ ኣብ ደንበ ተቓውሞ ኤርትራ ህጹጽ ኣዛራቢ ኮይኑ ዝላዓል ዘሎ ኣጀንዳ እዩ። እዚ ዛዕባ ሎሚ ከም ሓድሽ ዝለዓል ዘሎ ዘይኮነ፡ ነዊሕ ግዜ ምሳና ዝጸንሐ፡ ግና ከምቲ ዝድለ ዘየዕወትናዮ እዩ። እዚ ማለት ግና ካብቲ ዘይተዓወተ መስርሕ ዝቐሰምናዮ ተመኩሮ የለን ማለት ኣይኮነን። ሎሚ እውን ዝተፈላለዩ ኣካላት ነዚ መሰረታዊ ሕቶ ንምምላስ ነናቶም ሓሳብ ኣለዎም። ነፍሲ ወከፎም ከኣ ርኢቶኦም ተቐባልነት ንክረክብ ኣብ ጽዕጹዕ ምንቅስቓስ ኣለዉ። “ዜጋ ተኮር ኮይኑ፡ ናይተን ዘለዋ ውድባትን ሰልፍታትን ኣባላት’ውን ኣባላቱ ዝኾንሉ ምጥርናፍ ምፍጣር፡ መሰረቱ ኣውራጃ ተኮር ዝኾነ መንግስቲ ኣብ ስደት ምፍጣር፡ ሰፊሕ ጽላል ፖለቲካዊ ውድባት ምምስራት …… ወዘተ” ዝብሉ ካብቶም ኣብ መድረኽ ዝዝተየሎም ዘለዉ ምርጫታት እዮም።
ኤርትራውያን ተቓወምቲ ክሳብ ሎሚ ምሉእ ብምሉእ ኣብ ሓደ ካብዞም ምርጫታት ከም ዘይረዓሙ ኣብ ባይታ ዘሎ ምልክታት ይምስክር። እዚ ኣብ ዝኾነሉ እቲ ንምቅርራብ ዝግበር ቃልስን ምክብባርን ቀጻሊ ኮይኑ፡ በቲ እትኣምነሉ ምርጫ ክስዕብዎ ንዝደልዩ ኣፍደገ ከይዓጸኻ ስጉምቲ ምውሳድ እዩ እቲ ኣገዳሲ። ድሕሪ ነዊሕ ጉዕዞን ሓያል ጻዕርን ምምስራት ፖለቲካዊ ሓይልታት ኤርትራ (ፖሓኤ) ከኣ ብመንጽርዚ ብኣወንታ ክረአ ዝግብኦ ተበግሶ እዩ። እቲ ብብዙሓት ወገናት ዝግበረሉ ዘሎ ምትብባዕ ከኣ ከም ሓደ ካብ ተመኩሮና ዝተመሃርናዮ ጸጋ ጌርካ ዝውሰድ እዩ።
ጉዕዞ ተቓወምቲ ውድባትን ሰልፍታትን ኤርትራ ክለዓል እንከሉ፡ ወትሩ ዝጥቀስ ጉዳይ ተመኩሮኻ ተመሊስካ ምግምጋም እዩ። ዕምቆት ገምጋም ዝምድናዊ ከም ዝኸውን ፍሉጥ እዩ። ምስዚ ግና ኣስታት 13 ውድባት ኤርትራ ኣብ መወዳእታ 2013 እኹል ግዜ ወሲዶም ሰፊሕ ገምጋም ኣካይዶም “ፍልልያት ብልዝብ ናይ ምፍታሕ ተኽእሎ ዘይምውናን፡ ኣብ ዝተሓቱ ነጥብታት ተሰማሚዕካ ዘይምስራሕ፡ ቀዳምነታትካ ክትሰርዕ ዘይምብቃዕ፡ ኣብ ዝተሰማማዕካሉ ምእዙዝ ዘይምዃን፡ ውልቃውን ውድባውን ረብሓታት ምቕዳም፡ ናይ ምግላል (exclusion) ፖሊሲ ምኽታል፡ ዘይግሉጽነትን ካልኦት ከምኦም ዝኣመሰሉን” ዝርከብዎም 21 ድኽመታት ዘመዝገብሉን ዝተማህርሉን ተመኩሮ ምንባሩ ምዝካሩ ኣገዳሲ እዩ። ውድባት ኣብ ውሽጠን ዘካይደኦ ገምጋም’ውን ኣለወን። ስለዚ እዚ ገምጋማት ነዚ ሎሚ ንዕዘቦ ዘለና ኣተሓሳስባ ምክብባርን ምድምማጽን ኣስተዋጸኦ ኣየበርከተን ማለት ኣይኮነን።
ዝተረዳድኡ ኣካላት የዕውተና እዩ ብዝበልዎ መንገዲ ክጠራነፉ እንከለዉ፡ ናይ ምውዳብ መሰሎም ብምጥቃሞም፡ “ስለምንታይ ንምርጫና ምርጫኹም ዘይገበርኩምዎ” ብዝብል፡ ዕንቅፋት ክትኮኖም ሓጋዚ ኣይኮነን። ነዚ ኣብ ግምት ብምእታውን ሓደገኛነት ምጥልላፍ ብምግንዛብን ኢና ድማ “ኣብቲ ነንኣምነሉ ዓዓቕና ዘይነበርከት” እንብል ዘለና።
ዕላማ ቃልስና ኮነ ምምስራት ጽላል ኣብ ምውዳቕ ጉጅለ ህግደፍ ጥራይ ዝድረት ዘይኮነ፡ ቅድሚት’ኳ እንተዘይሰራዕናዮ፡ “ድሕሪ ውድቀት ስርዓት ህግደፍከ ናበይ?” ዝብል ሕቶ ዘመላኸተ ክኸው ናይ ግድን እዩ። ቃልስና ካብ ሕቶ ፖለቲካዊ ስልጣን ወጻኢ ስለ ዘይረአ “ኤርትራ ድሕሪ ውድቀት ህግደፍ ብመንን ብኸመይን ትምራሕ? ናይ ሽዑ ግደና ኸ ከመይ እዩ ክኸውን?” ኣብ ዝብል ከሎ ጋና እምነትካ ምንባርን ኣብ መጻኢ ፖለቲካዊ ስልጣን ተወዳዳሪ ምዃንካ ምምልካት’ውን ኣገዳሲ እዩ። ከምዚ ዓይነት ኣረኣእያ ምሕዳር ህርፋን ስልጣን ዘመልክት ዘይኮነ ኣብ “ሽዑ ነርክበሉ ሕጂ ንኺድ ጥራይ” ዘይንጥልጠል ቅኑዕ ዋሕዚ ናይ ለውጢ መስርሕ ዘርኢ እዩ። ስለዚ ነዚ ዝእምት ስሩዕን ዝተጸንዐን ባይታ ምንጻፍ ኣገዳሲ እዩ። ፖሓኤ ከኣ ብርኢቶኡ ነዚ ሕቶታት’ዚ መልሲ ይኸውን’ዩ ዝበሎ እዩ ኣብ ቻርተሩ ኣስፊሩ ዘሎ።
ከምቲ “ብተመን ዝሰንበደስ ብልሕጺ ተዳህለ” ዝበሃል፡ ናይ ቅድሚ ሕጂ ምምስራት ጽላል ዘየዕወተ ተመኩሮና ከሰክፈና ባህርያዊ እዩ። እንተኾነ፡ “ሕልሚ ፈሪሕካ ከይደቀስካ ኣይሕደርን” ዝብል ምስላ ምዝንጋዕ ኣይግባእን። እምበርከ እቲ ፈተነታት ምምስራት ጽላል ስለምንታይ ከም ዘይተዓወተ፡ ነቲ ጽላል ኣብ ምስሳይ ዝነበሩ ነፍስ-ወከፎም ግደኦም እንታይ ከም ዝነበረ ተመሊሶም ክሓስብሉዶ ኣይግባእን እዩ። ድሕሪቲ ተደጋጋሚ ፍሽለታት ዝተፈጥረ ናይ ኣተሓሳስባ ለውጥን ካብ ተመኩሮኻ ምምሃርን ከም ዝህሉ ዘንጊዕካ፡ ሎሚ እውን በቲ መንገዲቲ እንተሰጒምና ክንፈሺል ኢና ኢልካ፡ ምስ ኩነታትናን ንቡር ኣተሓሕዛ ኣብዘሓ ውድባትን ብዘየሳኒ ክሳብ “ውድባት ክሳብ ሎሚ ስለ ዘይተዓወታ ኣየድልያን እየን” ዝብል ተመጢጥካ፡ “ዝተኣከበ በቲንካ፡ ክትእክብ ምፍታን ውሕሉልን ዘዋጽእን ምርጫ ኣይኮነን።
ውድባት ክሳብ ምሉእ ብምሉእ ምትእምማን ፈጢረን ዝተሓናፈጻ፡ ነናተን ነጻነት ሃልይወን ኣብቲ ዘሰማምዓሉ ብደረጃ ጽላል ብሓባር ከም ዝቃለሳ ምግባር፡ ብዙሓት ዝተዓወትሉን ዝሰርሕሉ ዘለዉን ብተመኩሮ ዝተረጋገጸ እምበር፡ ኣባና ዝጅመር ዘሎ ከምዘይኮነ ምርዳእ ኣገዳሲ እዩ። ጽላል ይኹን ካልእ ጥርናፈ እተዘይተዓዊቱ’ውን እቲ ናይ ዘይምዕዋት ጠንቂ እቲ ናይ ምጥርናፍ ኣገባብ ዘይኮነ፡ እቶም ኣብኡ ዝዋስኡ ፖለቲካዊ ኣካላት ዝሕተትሉ እዩ ዝኸውን።
ኤርትራ ካብ እትግለጸሉ ሓደ ብዙሕነት ዝሓቖፈት ሃገር ምዃና እዩ። እዚ ብዙሕነት ኣብ ኤርትራ ጥራይ ዝረአ ዘይኮነ፡ ናይ ብዙሓት ሃገራት ኣፍሪቃ መርአይ እውን እዩ። ኣብ ኢትዮጵያ’ኳ ልዕሊ 80 መግለጺ ብዙሕነት ቋንቋታትን ባህልታትን ኣለዉ። ብደረጃ ኣፍሪቃ እንተርኣናዮ እውን ልዕሊ ሰለስተ ሺሕ ቋንቋታት ከም ዘለዉ ይንገር። ኣብ ዓለምና ድማ ልዕሊ 7 ሺሕ ቋንቋታት ከም ዝዝረቡ ይዝንቶ። ብዘይካቶም ተፈጥራዊ መለለይ፡ ካብቶም ንብዙሕነት ኤርትራ ዝገልጹ፡ ሃይማኖት፡ ቋንቋ፡ ባህልን ኣውራጃን ብኣብነት ዝጥቀሱ እዮም።
ኤርትራውያን ነቶም ብዙሕነቶም ዝገልጽሎም መለለይታቶም ናይ ምኽባር፡ ምስዓብን ምዕባይን መሰል ኣለዎም። እዚ ጥራይ ዘይኮነ ብደረጃ ቅዋም ውሕስነት ናይ ምርካብ መሰል ዝወሃቦም እዮም። እዚ ክበሃል እንከሎ ነቲ ብዝሰፍሐ ዝእክበናን ብናይ ሓባር ቃልሲ ዘረጋገጽናዮን ሰፊሕ ኤርትራውነት ብዘደልድልን ዝምእዘዝን እምበር ብዝጻባእ ክኸውን ከምዘይግባእ ክንግንዘብ ግድነት እዩ። ምኽባርን ምዕባይን ናይዞም መግለጺ ብዙሕነታት፡ ከም ባህ ዝበለካ ብፍኑው ዝትግበር ዘይኮነ፡ ዝተሰነደ ንብዙሕነታዊ ሓድነት ኤርትራ ዘንጸባርቕ ቀጥዕታት ክህልውዎ ይግባእ።
ንኣብነት ብቋንቋና ክንጥቀምን ከነማዕብሎን ክንብል እንከለና፡ ካብ ወለዶ ናብ ወለዶ ዝመሓላለፍ እንኽተሎ ቀጥዒ ክህልወና የድሊ። እዚ እንምረሓሉ ቀጥዒ ከኣ ነቶም ብደረጃ ሃገር እንሰርሓሎምን እንራኸበሎምን ሕገመንግስታዊ ውሕስነት እንህቦም መንግስታዊ ናይ ስራሕ ቋንቋታት፡ ንኣብነት ዓረብኛን ትግርኛን ብዘይጻረር ክኸውን ከም ዘለዎ ኣብ ግምት ምእታው ኣገዳሲ እዩ። ከምኡውን እምነታትና ነናተን መንፈሳዊ ናይ ኣተገባብራ ስርዓትን ምምሕዳርን ክህልወን ዘይስገር እዩ። እዚ ስርዓተን ነቲ “ሃይማኖት ኣብ ጉዳይ መንግስቲ፡ መንግስቲ ድማ ኣብ ሃይማኖት ኢድ ኣይተኣታተዉን” ዝብል ኣምር ዘይሰሓተ ይኽውን። ትካላት እምነት ምስ መንግስቲ ዝህልወን ዝምድና፡ ከምዚ ጉጅለ ህግደፍ ኣብ ውሽጣዊ ጉዳየን ኣትዩ ኣንጻር ዝምረሓሉ ቀኖና ዝዘርግ ዘሎ ዘይኮነ፡ ከምቲ ብዙሓት መእምናን መንገዱ ንኽሕዝ ዝቃለስሉ ዘለዉ፡ ኣብ ምትሕብባርን ምትሕግጋዝን ዝተሰረተ ክኸውን ይግበኦ። ኣውራጃታትና ኣብ ትሕቲ ብቅዋም ዝውሰን ዘይምእኩል ምምሕዳር፡ ነናትን ልምዓት፡ ዲሞክራሲን ጸጥታን ዘረጋግጻሉ ብደረጀአን መምሓደሪ ሕጊ ክህልወን ኣገዳሲ እዩ። እዚ ሕገን ናይቲ ኤርትራዊ ሃገራዊ ቅዋም መተግበርን ደጋፍን እምበር ተጻራሪ ክኸውን ከም ዘይግበኦ መሰረታዊ ግንዛበ ዘድልዮ እዩ። ኣተሓሕዛና ኣብቲ ካልእ መግለጺ ብዙሕነትና እውን ብኸምዚ ዝተሓዝ እዩ ክኽውን ዝግበኦ።
ካብዚ ወጻኢ ንኹሎም መግለጺ መንነትና ዝኾኑ ብዙሕነት እነመሓድረሉ ኣገባብ፡ ነቲ ከም መላእ ኤርትራውያን ብዝሰፍሐን ዝለዓለን ደረጃ እንምረሓሉ ኤርትራዊ ቅዋም ብዝጻረር ክንሕዞ እንተፈቲና ሳዕቤኑ ኣሉታዊ ምዃኑ ርዱእ እዩ። ካብቲ ብሰንኪ ከምዚ ዓይነት ተግባር ዘጋጥም ኣሉታ፡ ሓድነትና ይልሕልሕ፡ ምሉእ ቆላሕታ ቃልስና ኣብ ክንዲ ናብቲ ናይ ሓባር ጸላኢና ወጽዓን በደልን ህግደፍ ዝኸውን፡ ኣብ ሕድሕድና ምጥምማት የስዕብ። ምትእምማና ይንኪ። ነዚ ምድኻምና ዝተዓዘበ ጸላኢና ከኣ ፍልልያትና ብምግፋሕን ሓድነትና ብምድኻምን፡ ናይ ኩልና ጸላኢ ክነሱ፡ “ነቲ ሓደ ኣጆኻ ነቲ ካልእ ድማ ወይለኻ” እናበለ ንክኸፋፍለና ዕድል ይረከብ። ድሕሪዚ ምድኻም ዝመጽእ፡ ዘይምዕዋት ከም ዝኸውን ድማ ፍሉጥ እዩ። ብመሰረቱ ሓደ መልክዕ ቃልስና፡ ንሕና ክንእከብ ጸላኢና ከኣ ንኽብትነና ዝገብሮ ጻዕሪ ዘሎ ምርብራብ ምዃኑ ምስትውዓል የድሊ። ኣብዚ መዳይዚ ንከፋፋሊ ውዲት ህግደፍ ምብዳህ፡ ኣብ ኩሉ መዳይ ንክንስዕሮ መንገዲ ዝጸርግ እዩ።
ከምዚ ዝኣመሰሉ ተመዓዳዲኻ ናይ ምርእኣይ ጸገማት፡ ኣብ ታሪኽ ቃልስና ክረአዩን ብቃልሲ ክሰዓሩን ዝጸንሑ እዮም። ስለዚ ሕጂውን ኣብ ጉዕዞ እንተጋጣሙ ዘገርም ኣይኮነ። ከምቲ ናይ ዝሓለፈ ተመኩሮና ከከም ኣብመጻጽእኦም ክንስዕሮም ድልዋት ምዃን ግና መተካእታ የብሉን። ጸላእትና ክዕወቱ ዝኽእሉ ብብርተዐኦም ዘይኮነ ብሰንኪ ድኻምናን ምርሕሓቕናን ምዃኑ ይፈልጡ እዮም። ስለዚ ነዚ ጠንቂ ድኽመትና ክኸውን ዝኽእል ድሕረትን ጽበትን ንምስዋሩ ከይደቀሱ ከም ዝሓድሩ ፍሉጥ እዩ። ህዝቢ ኤርትራ ሰዓቢ ምስልምናን ክርስትናን ኮይኑ፡ ሳላ “እምነት ናይ ግሊ ሃገር ድማ ናይ ሓባር” ዝብል ኣምር ብግቡእ ተረዲኡ ብሓባር ዝተቓለሰ ታሪኽ ከም ዝዝሰርሐ እናፈለጡ ተስፋ ከይቆረጹ ኣብ መንጎኡ ምርሕሓቕ ንምፍጣር ላዕልን ታሕትን ከም ዝብሉ ክንዕዘቦ ዝጸናሕና እዩ። ይኹን እምበር፡ በዚ ተግባሮም ክንግረም ዘይኮነ፡ ውዲቶም ከነምክን ኢና ሓቢርና ክንቃለሶም ዝግበና።
ኤርትራ ከም ብዙሓት ሃገራት፡ ሒዛቶ ዘላ ጀኦግራፊያዊ ኣቀማምጣ፡ ቅርጽን ስፍሓትን ውጽኢት መግዛእታዊ ምምሕዳር ምዃኑ እንርደኦ እዩ። ኣውራጃታትና እውን ካብዚ ዝተፈልየ ታሪኻዊ ኣመጻጸኣ የብለንን። ኣውራጃታት ኤርትራ ኣብ ግዜ መግዛእቲ ኢጣልያ ካብ ሓደ ብዝሒ ናብቲ ካልእ ክሰጋገራ ዝጸንሓ እየን። ኣብዚ ሎሚ ዘለወን ብዝሒ ኣብ 1909 ከም ኢጣልያውያን ኣመሓደርቲ ብዝቐየስዎ ዝሓዘኦ፡ ምዃነን፡ ዶር መሓመድ ኬር ዑመር’ “THE DYNAMICS OF UNFINISHED AFRICAN DREAM- ERITREAN ANCENT HISTRY TO 1968” ኣብ ኣጥብል መጽሓፉ ኣስፊርዎ’ሎ። መግለጺ ብዙሕነትና ኣብ ናይ ህዝቢ ስምዒት ዝሰረጸ እምበር፡ ብደረጃ ኣውራጃታት ተሰሊዑ ዝተዓደለ ኣይኮነን።
ኣብ መብዛሕትኡ ኣውራጃትና እቲ መግለጺ ብዙሕነታና ኣብቲ ነባሪ ህዝቢ ይንጸባረቕ። ኤርትራውያን ብኣውራጃን ካልእ መርኣያ ብዙሕነትን ከይተፈላለና፡ ኣብቲ ዝሰፍሐ ኤርትራውነት ክንስለፍ እንከለና ከም እነድምዕን እንዕወትን ተመኩሮ ቃልስና ምስክርና እዩ። ብኣውራጃን ዝኣመሰለን ብምክፍፋል መሳርሒ ጸላእትና ከይንኸውን ምስዓሩ ወሳኒ ምዃኑ ድማ፡ ኣንጻር መግዛእቲ ተቓሊስና ዘመዝገብናዮ ዓወት መሰረታዊ ምስክር እዩ። በዚ ዘይምክፍፋል ኣብ ልዕሊ ጨቋኒ ጉጅለ ህግደፍ ዓወት ዘይድገመሉ ምኽንያት ድማ የለን። ህግደፍ ካብ እኩይ ሜላ ገዛእቲ ብዘይፍለ ህዝብን ውድባቱን ክፈላልየና ዝፍትን እውን ወሳንነት ሓድነትና ንውድቀቱ ስለ ዝርዳእ እዩ። ስለዚ ኣውራጃ ወሲኽካ ምንጽብራቕ ኩሉ ብዙሕነትና፡ ካብ ኣገዳስነት ምዕሳል ኣብ ዙርያቲ ዝሰፈሐ ኤርትራውነት ወጻኢ ከይንቓንዮ ናይ ሓደራ መልእኽትና ነመሓላልፍ። ነቲ ሓሓሊፉ ዝረአ ግጉይ ኣተሓሕዛ ንኣውራጃ ከም ፖለቲካዊ መሳርሕን መሕብኢ ጸቢብ ድልየታትን ምጥቃም ከኣ ከይሳዕረረ “ወጊድ” ክንብሎ ይግበኣና።
ኣብ ደንበ ተቓውሞ፡ ብዙሓት ሰልፍታትን ውድባትን ምህላወን ዘሻቕሎም ኤርትራውያን ወገናት ብዙሓት እዮም። እቲ ብዝሒ ውዳበታት፡ ጠንቂ ናይ ዘይምዕዋተን ገይሮም ዝርድኡን “ስለምንታይ ሰልፍታትን ውድባት በዚሐን?” ኢሎም ዝሓቱን’ውን ከምኡ ብዙሓት እዮም። እዘን ውዳበታት ንክበዝሓ ዝድርኹ ምኽንያታት ገሊኦም ቅቡላት ገሊኦም ድማ ዘይቅቡላት ከም ዝኾኑ ፍሉጥ እዩ። ነቲ ዘይቅቡል ምኽንያታት ምዝርዛር ገዲፍና፡ ነቲ ብግቡእ ከነመሓድሮ ዝግበኣናን ውዳበታት ንክበዝሓ ዝድርኽን ቅቡል እንብሎ ምኽንያታት፡ ናይ ኣተሓሳስባ ብዙሕነት ምዃኑ ክንግንዘብ ይግበኣና። በዚ ምኽንያት ዝፍጠር ናይ ኣወዳድባ ብዙሕነት፡ ብግቡእ ምስ እንጥቀመሉ፡ ሰፊሕ ናይ ሓሳባት ምርጫ ዘቕርብ ጸጋ እምበር፡ ሓደጋ ከምዘይኮነ ምርዳእን መሰል ምውዳብ ዘውሕስ ሓደ ካብ ዲሞክራሲያዊ መርኣያታት ምዃኑን ምግንዛብ ድማ የድሊ።
እቶም ናይ ኣተሓሳስባ ብዙሕነት ስለ እንውንን ኣብ ዝተፈላለዩ ውዳበታት ተሰሊፍና ዘለና ፍጹም ዘራኽብ የብልናን ማለት ኣይኮነን። እቲ ሓቂ ከምኡ ኮይኑ እንከሎ፡ እቲ ዓንቃፊ ኮይኑና ዝጸንሐ ኣብ ክንዲ ነቲ ዘሰማምዓና ነቲ ዝፈላልየና ቅድሚት ሰሪዕና ኣብኡ ክንዋጠጥን ክንትሃላለኽን ምጽናሕና ምዃኑ ብሩህ እዩ። ከምቲ ልዑል ለውጢ ናይ ምምጻእን ነዚ ንምርግጋጽ ድማ ኣድማዒ ዓቕሚ ናይ ምድላብ ድሌት ዘለናን፡ እቲ ከነድህበሉ ዝነበረናን ዘለናን ነቲ ዘሰማመዓናን ዘመሳስለናን ቅድሚት ሰሪዕካ ምጉልባቱ እምበር፡ በቲ ዝፈላልየና ምስሕሓብ ክኸውን ኣይመተገበኦን።
ኤርትራውነትና እቲ ዝዓበየ ሓቛፊና ኮይኑ፡ ኣብዚ ኣንጻር ጉጅለ ህግደፍ ነካይዶ ዘለና ቃልሲ፡ ምውጋድ ዲክታተርነት፡ ምዕቃብ ልኡላዊት ኤርትራን ሓድነት ህዝባን፡ መጻኢት ኤርትራ ብኹሉ መዳያት ልዕልና ህዝብን ፍትሕን ዝሰፈና ክትከውን ብዘይካ ህግደፍን ኮራኩሩን ዘይብህግ ኤርትራዊ የለን። ምናልባት “ብኸመይ ኣገባብ? መን ምስ መን ኮይኑ? መዓስን ኣበይን?…..ወዘተ” ኣብ ዝብሉ ዘይመሰረታዊ ጉዳያት ናይ ርእይቶ ፍልልይ እንተሃለዉ፡ ካብ ሓቢርካ ምቅላስ ዝዓግቱ ኣይኮኑን። እቲ ዓብይን ህዝባውን ናይ መሰረታዊ ለውጢ ተልእኮ ምትግባር ብናይ ሓደ ውዳበ ሓላፍነትን ዓቕምን ዝዕመም ኣይኮነን። ነቲ ኣብ ቅድሜና ዘሎ ህግደፍ ዝመሃዞ ጸረ ህዝብን ዲሞክራስን መንደቕ፡ ብናይ ዝተወሰነ ውድብ ወይ ሰልፊ ዓቕሚ ከምዘይፈርስ ንርዳእ ኢና። ነዚ ዘፍርስ ዓቕሚ ድማ እኩብ ድምር ናይቲ ኣብ ሓደ መድረኽ ክጥርነፍ ዝግበኦ ዓቕምታትና ምዃኑ’ውን ብክለሳ-ሓሳብስ ካብ እንርደኦ ነዊሕ ግዜ ኮይኑ እዩ። እንተኾነ ነዚ ሓባራዊ እምነትና ዝምጥን ኩለ-መዳያዊ ኣድማዒ ጻዕሪ ክንገብር ከምዘይጸናሕና እንስሕቶ ኣይኮነን።
ኣብ ጉዕዞ ቃልስና ነቲ በበይኑ ዘሎ ዓቕምና ኣርኒብና ቀያርን ተሰማዕን ዓቕሚ ናይ ምፍጣር መስርሕ ከጸግሙና ካብ ዝጸንሑ ዕንቅፋታት ሓደ፡ ኣብ ክንዲ ባህሊ ኣብ ማእከላይ ሓሳባት ተራኺብካ “ሓቢርካ ተዓዋታይ ምዃን” ኣብ ጫፋት ተመዓዳዲኻ ስነ-መጎት “ሰዓርን ተሳዓርን” ከነሰጉም ምጽናሕና ዓብይ ግምት ዝወሃቦ እዩ። እዚ ዘየዕውትን ግዜ ዝሓለፎን ኣገባብ ኣመሓዳድራ ናይ ኣተሓሳስባ ፍልልያት ካብ ግዜ ቃልስና ንናጽነት ጀሚሩ ዝነበረን ኣሉታዊ ስንብራቱ ዘይሃሰሰን እዩ። እዚ ኣካይዳ ንትርጉምን ክብደትን ሓቅን ርትዓውነትን ኣተሓሳስባ ዝጓሲ፡ ንልዕልና ትርጉም ሓይልን ዓመጽን ዘበርኽ ሓደገኛ ተረድኦ እዩ። ኣብ ህዝቢ ኤርትራ ብዛዕባ ተቓወምቲ ውድባት ክለዓል እንከሎ፡ ኣቐዲሞም ካብ ዝለዓሉ ሕቶታት ሓደ “ወተሃደራዊ ሓይልኸ ኣለዎምዶ?” ዝብል ምንባሩን ምዃኑን መልእኽቱ ኣዝዩ ኣሰካፊ እዩ። እቲ “እንታይ እዩ ኣተሓሳስባኦም? ካብ ህግደፍ ዝፈልዮም እንታይ እዩ? ከምቲ ህግደፍ ንህዝቢ ኤርትራ ዝጠለመ ከይጠልሙናኸ እንታይ ውሕስነት ኣለና? ንዝብሉ መሰረታዊ ሕቶታት ተገዳስነት ዘይምሃብ ድማ ካልእ ገጽ ናይቲ ህግደፍ ዘስረጾ ዓመጸኛ ኣረዳድኣ እዩ። ናይ ህግደፍ ኣገባብ ኣተሓሕዛ ሓሳባት ካብ ናቱ ዝተፈልየ ርኢቶ ንዘለዎም ኣካላት፡ ህዝቢ ኣብ ልዕሊኦም ኣብቲ መሰረታዊ መምዘንታት ንከየተኩር ዝገብሮ ናቱ ጽልዋን ተጽዕኖን ኣለዎ። ተመኩሮ ጉጅለ 15ን ህግደፍ ዝተኸተሎ መንገድን ድማ ኣብዚ ከም ኣብነት ዝጥቀስ እዩ።
ኣብ ርክባት ናይ ዝተፈላለየ ኣተሓሳስባ ዘለዎም ኣካላት “ክትህብ እምበር ክትቅበል ቅሩብ ዘይምዃን” ሓደ መርኣያ ናይቲ ከጸግመና ዝጸንሐ ባህሊ “ሰዓራይን ተሰዓራይን” ኣፈታትሓ ፍልልያት እዩ። ናይዚ መንቀሊ፡ ከኣ ነቲ ሃገራውን ህዝባውን ናይ ለውጢ ዕማም “በይነይ ከተግብሮ እኽእል እየ” ዝብል ጽበትን ትዕቢትን እዩ። ከምቲ “ተመሊስካ እትረድኦስ ሓዲግካዮ ኣይትእቶ” ዝበሃል፡ ንስኻ ብዘይብእኡ ዘይኮነልካ፣ ንሱ እውን ብዘይበኣኻ ንዘይኮነሉ ኣካል፡ ኣብ ክንዲ ተቐርቦን ትሓቑፎን ካብ ናይ ቃልሲ መድረኽ ክትንጽሎ ናይ ምድላይ ስምዒት ናይ ቀረባ ግዜ ተዘክሮና እዩ። ኣብ ከምዚ ዝኣመሰለ ጸዋግ ናይ ኣተሓሳስባ ፍልልያት ምጥሓል ድማ ብዓቕሚ ንዘይምሕያል ጥራይ ዘይኮነ፡ ኣብ ክንዲ ጸላእቲ እትንኪ ጸላእቲ ዝዕድም እዩ። ኣብዚ እዋንዚ ግና ብውሕዱ ካብ ከምዚ ዝኣመሰለ መረሓሓቕን ግጉይን ግንዛበ ንወጽእ ምህላውና መጻኢና ትስፉውን ብሩህን ምዃኑ የመልክት።
ኣብዚ ግዜዚ ደንበ ተቓውሞ ኤርትራ ካብ ተመዓዳዲኻ ጉዕዞ፡ ከም ዝደላለ ዝተረደአ ይመስል ኣሎ። ናይ ሓሳብ “እንካን ሃባን” ባህሊ ኣጥሪና፡ ክቐርበና ክንጽበ ጥራይ ዘይኮነ፡ ንሕና እውን ክንቀርብ እሞ ኣብ ማእከላይ ቦታ ክንራኸብ ከም ዝግበና ተገንዚብና፡ ምእንቲ ሓቢርካ ምቅላስ ዋጋ ክንከፍል ቅሩባት ምህላውና ኣውንታዊ ምልክታት ይረአዩ ምህላዎም ክዕቀብ ዝግበኦ ትስፉው መጻኢ እዩ። እቲ ኣብ መንጎ ዝተፈላለዩ ወገናት ዘሰማመዓካ ንምርካብ ዝግበር ዳህሳሳትን ዘተታትን ቀጻሊ ኣሎ። ምምስራት ጽላል ፖለቲካዊ ሓይልታት ኤርትራ “ፖሓኤ” ድማ ብመንጽርዚ ዝረአ እወንታዊ ኣብነታዊ ተበግሶ እዩ።
ኣብ ደንበ ተቓውሞና ክንድቲ ጽንዓትናን ተጻዋርነትናን፡ ጌና ዘየመሓደርናዮ ሕጽረታት ከም ዘለና ካብ ንእመነሉ ዓመታት ኮይኑ ኣሎ። ጠንቂ ድኽመትና ኣብ ብውጋን ሕጽረታትና ገሊኡ በዓል ቤታዊ ክኸውን እንከሎ፡ ገሊኡ ድማ ወድዓዊ ተጽዕኖ ዝፈጥሮ እዩ። እቲ ዝያዳ ከተሓሳስበና ዝግበኦ እምበኣር፡ ነቲ ኣብ ኢድና ዘሎ ወድዓዊ ጸገማትና ኣብ እዋኑ ክንብድህ ዘይምብቃዕና እዩ። “ክንዕወት ኢና፡ ህዝቢ ኤርትራ ኣብ ኣርዑት ህግደፍ ኣይክነብርን እዩ፡ ብሓባር ክሰርሕ ምኽኣልናን ዘይምኽኣልናን ምስጢር ዓወትና እዩ” ብዝብሉን ዝኣመሰሉን ጸኒዕና ምቕጻልና ናይ ኣወንታናን ተስፋናን መርኣያ እዮም። ነዚ ኣወንታና ዝዕቅብን ባህግና እነተግብረሉ መሳርዕን ኣብ ዘተኣማምን ባይታ ዝተደኮነ ኣካይዳን ክንውንን ዘይምኽኣልና ከኣ መርኣያ ድኽመትና ኮይኑ ዝጸንሐ እዩ።
ጐሊሖም ክረኣዩ ካብ ዝጸንሑ ድኽመታትና፡ ጸላኢና ሓደ ንሱ ድማ ጉጅለ ህግደፍ፡ ዕላማናን ባህግናን እንተኾነ ተመሳሳሊ ካብኡ ሓሉፉ ድማ ኣዝዩ ዝቀራረብ ክነሱ፡ ክሳብ ሎሚ እናተረዳዳእናን እናተመላላእናን ብሓደ ክንስጉም ዘይምኽኣልና እዩ። እቲ ኣብቲ ዘሰማምዓካ ተቐራሪብካ ዘቃልሰካ መድረኽ ምፍጣር፡ ናይ ግድን ብቓልሲ እተዕውቶ እምበር፡ ጓሲኻዮ እትሓልፈሉ ኣቋራጭ መንገዲ የብሉን። ፖለቲካዊ ሓይልታት ኤርትራ ብመንገዲ ቀዳማይ ዋዕላኡ ወሲድዎ ዘሎ ተበግሶ ምምስራት ጽላል ከኣ፡ ናይ ምርጫ ጉዳይ ዘይኮነ፡ ዘለናዮ መድረኽ ዝጠልቦ ናይ ግዜን ጉልበትን ዋጋ ዝተኸፍሎ ግደታ ምዃኑ ብምግንዛብ እዩ። እዚ ዘረድኦ ድማ እቲ ጉዕዞ ዘይልሙጽ፡ እቲ ትኸፍሎ ዋጋ ከኣ ብዙሓት ዕንቅፋታት በዲህካ ብምሕላፍ ዝረጋገጽ ምዃኑ እዩ። ጽልዋኡ ድማ ኣብቶም ዝመስረትዎ ኣካላት ጥራይ ዝድረት ዘይኮነ፡ ኣብቲ ዝሰፍሐ ደምበ ተቓውሞና’ውን ነብሱ ዝኸኣለ ኣወንታዊ ጽልዋ ዘሕድር እዩ።
ቀዳማይ ይኹን ካለኣይ ምዕራፋት ቃልስና ብንኡሳን ምዕራፋት ዝተኸፋፈሉ ብምትኽኻእ ዝተቓነዩ እምበር ብሓደ ወለዶ ተጀሚሮም ብኣኡ ዝውድኡ ኣይኮኑን። ካብቶም ዝኣረገ ብረት ዓጢቖም ሰውራ ኤርትራ ዘበሰሩ ሓርበኛታት ምናልባት ናጽነት ኤርትራ ዝረኣ ኣይነበረን። ምናልባት ዝረኣዩ እንተነይሮም ከኣ ክልተ-ሰለስተ ጥራይ እዮም። እንተኾነ ሳሊቲ ብዝተራእየ ቀጻሊ ዋሕዚ ምውርራስ እቲ ሓደ ክሓልፍ እንከሎ እቲ ካልእ እናተከአ ተጓዒዙ እቲ ቃልሲ ተዓዊቱ ኤርትራ ከኣ ናጻ ሃገር ኮይና።
ምውርራስ ኣውራስን ወራስን ማዕረ ዝግደስሉን ብሓላፍነት ዝዓይሉን እምበር ንሓዲኦም ዝግደፍ ኣይኮነን። ምኽንያቱ እቲ ኣውራሲ ካብ ንእስነቱ ጀሚሩ ዋጋ ዝኸፈለሉ ቃልሱ ዘቐጽሎ ዋና ከይስእን፡ ተረኪቡ ኣብ ሽቶኡ ዘብጸሓሉ ወራሲ ክረክብ ናይ ግድን ስለ ዝኾነ። እቲ ወራሲ ድማ ዘካይዶ ቃልሲ ንትማሊ ኣብ ግምት ዘየእተወ ኣብ ሎሚ ጥራይ ዝተንጠልተለ ሓደ ኢሉ ዝጅምር ጐናይ ጉዕዞ ካብ ምዃን ስለ ዘድሕኖ ዘውርሶ ይደሊ። መንእሰይ ዝወርስን ዘይወርስን ብድሌቱ’ኳ እንተኾነ፡ ትውልዳዊ ሓላፍነት ከም ዘለዎ ግና ክዝንጋዕ ኣይግባእን። ከምኡ እንተዘይኮይኑ እቲ ቃልሲ ጥራይ ዘይኮነ ከም ህዝቢ ናይ ምቕጻል ጉዳይ እውን ኣብ ምልከት ሕቶ እዩ ዝወድቕ።
ካብዚ ሓሊፉ ከምቲ ሓደ ርሻን ንምህናጽ ኣብቲ ዝተደኰነ ጡብ ኣብ ልዕሊ ጡብ እናወሰኽካ ኣብ ዝብጻሕ እተብጸሖ፡ ቃልሲ እውን ነቲ ዝተረከብካዮ ተመኩሮ ከም ኣድላይነቱ እናወሰድካን እናመላእካን እዩ ኣብ ዓወት ዝብጻሕ። ኣብ ካልእ ከይከድካ ናብ ናጽነት ዘብጸሐ ቃልስና ነዚ እዩ ዘርእየና። ልዕሊ ኩሉ ግቡእ ኣቕልቦ ክረክብ ዝግበኦ፡ ዕዉት ምውርራስ ተቐራሪብካ እምበር ተመዓዳዲኻን ነናትካ ኩርባ ፈሊኻን ዝረጋገጽ ኣይኮነን። ኣብ ባህልና’ኳ ዝራብዕ ምስ ተስታይ ኣብ ሓደ ኣርዑት ተጸሚዱ እዩ ዝጸሪ እምበር ተመዓዳዲኻ ብምርእኣይ ኣይኮነን። ኣብ ግዜ ብረታዊ ቃልሲ ብዕድመ ዝደፍኡን ብተመኩሮ ዝበሰሉን ሰራሕተኛታት መንግስቲ ዝነበሩ ሲቪልን ከም ኮማንዶስ ዝኣመሰሉ ወተሃደራዊ ተመኩሮ ዝነበሮን እቲ ካብ ቤት ትምህርቲ ዝስለፍ ዝነበረ ዕሸል መንእሰይን ክሳብ ክንደይ ተመኩሮ ይመጋገቡ ከም ዝነበሩ ምዝካሩ ጠቓሚ እዩ። እዚ ክበሃል እንከሎ ግና ሽዑ ዘይነበሩ፡ ሎሚ ዘለዉ ምዕባለታት ኣብ ግምት ክኣትዉ ከም ዝግበኦም ብምዝንጋዕ ኣይኮነን። ኣብዚ ንርከበሉ ዘለና ዘመነ ምዕቡል ተክኖለጅስ ከኣ ምውርራስ እቲ ዝቐለለ እዩ።
እቲ ናይ ሎሚ ወራሲ መንእሰይ ከምቲ “እንቲ መርዓት ጽባሕ ትኾኒ ሓማት” ዝበሃል፡ ጽባሕ ኣውራሲ ከም ዝኸውን ከስተውዕል ይግበኦ። ከምኡ እንተዘይኮይኑ ግና ዘዝተጀመረ ሰኣን ወራሲ ከይትወደአ እናሓለፈ እቲ ቃልሲ መጀመርታ እምበር መፈጸምታ ዘይብሉ እዩ ዝኸውን። ከምቲ ኣብ ግዜ ቃልሲ ንናጽነት ኣንጻር መግዛእቲ ዝነበረ፡ ሎሚ ንህግደፍ ኣወጊድና ብዘተኣማምን፡ ቅዋማዊ፡ ህዝባውን ዲሞክራስያውን ስርዓት ንምትክኡ ዝካየድ ዘሎ ቃልሲ እውን፡ ብሓደ ወለዶ ተጀሚሩ ብእኡ ዝውዳእ ዘይኮነ፡ ብምርኽኻብን ምውርራስን ዝግለጽ ምዃኑ ርዱእ እዩ።
ዕዉት ተረዳዲእካ ምምልላእን ምውርራስን ኣብ ሓደ መስርሕ ተጸሚድካ፡ ትማሊ ዘስርሕ ዝነበረ ሎሚ እውን ግዜ ዘይሓለፎ ተመኩሮ እናሕየልካ፡ በቲ ካልእ ድማ ግዜኡ ንዝሓለፎ ገሊፍካ ኣብ መዘክር ታሪኽ እናመዝገብካ ዝኽየድ እዩ። እዚ ዝያዳ ዘድምዕ ድማ ኣብ ሓደ ተወዲብካ ኣብ ቀጻሊ ቃልሲ ተጸሚድካ እምበር ወውድብካ ሒዝካ ተመዓዳዲኻ “ያላኻየ” እናተበሃሃልካ ኣይኮነን። ንኣብነት “እቶም ነባራት ተቓወምቲ ውድባት ነቲ መንእሰይ ተመኩሮ ንክወርስ ኣይሓገዝዎን” ክበሃል ይስማዕ እዩ። እዚ ኣበሃህላ ፈጺሙ ሓቅነት የብሉን ማለት’ኳ እንተዘይኮነ፡ “እቲ መንእሰይከ ንምውርራስ ብዘብቅዕዶ ምስተን ውድባት ተሰሊፉ?” ኢልካ ምሕታትን ምምላስን ከኣ መሰረታዊ እዩ። ዕዉት ምውርራስን ምምልላእን ብምክእኣልን ብምጽውዋርን እሞ ድማ ግቡእ ግዜ ወሲድካ እምበር፡ ብትምክሕትን ምንዓቓቕን ኣብ ሓጺር ግዜ ብሕዝ ግድፍ ዝረጋገጽ ኣይኮነን። ስለዚ ኢና ድማ “ንረዳድእ እሞ ንመላላእ” ኢልና እንጽውዕ ዘለና።
ፖለቲካዊ ሓይልታት ኤርትራ (ፖሓኤ)፡ ቀዳማይ ዋዕላኡ ከም ዘሰላሰለ ዓብይ ዜና ኣብ ፖለቲካ ኤርትራ ኮይኑ ቀንዩ። ኣብዚ ዋዕላኡ፡ ኣገደስቲ ሰነዳት ምጽዳቑ፡ ፖለቲካዊ ውሳነታት ምውሳኑ፡ ንመጻኢ ክልተ ዓመታት ነቲ ጽላል ዝመርሕ ኣካል ምምዛዙን ደማዳሚ መግለጽ ምውጻኡን ከኣ ዝርዝር ትሕዝቶ ናይቲ ዜና ነይሩ። እዚ ውጽኢት ተበግሶ ነባሪ ዓባይ ብሪጣንያ ዝነበረ ግዱስ ኤርትራዊ ነፍሰ-ሄር ብርሃነ ወልደገብሪኤን (SUDAN NOW) ዘይተሓለለ ጻዕሪ ብዙሓት ውድባት ኣብ ዝሓለፈ 4ተ ዓመታትን’ኳ እንተኾነ፡ ጌና ተስፋ ኣብ ዝህብ ቀዳማይ ምዕራፍ ዘሎ እዩ።
ጽላል ዝመስረቱ ኣባል ውድባት ፖለቲካዊ ሓይልታት ኤርትራ ካብ ዝሓለፈ ጉዕዞ ደንበ ተቓውሞ ኤርትራ ከም ዝተማህሩ ኣብቲ ዋዕላ ብዘርኣይዎ፡ ምክእኣል፡ ምጽውዋር፡ ምምልላእ፡ ምክብባር፡ ሓይልዮትን ቀዳምነትካ ምንጻርን ናይ ሓሳባት እንካን ሃባን ኣረጋጊጸምዎ እዮም። እቲ ን4ተ ዓመታት ብዘይምስልካይ ክካየድ ዝጸንሐ ጻዕሪ ኣብ ምምስራት ሰፊሕ ጽላል ምብጽሑ ድማ፡ ነቲ ካብ ዝሓለፈ ተመኩሮኻ ምምሃር ኣንጸባሪቑዎ እዩ። ምስዚ ኩሉ ግና እቲ ጽላል ናብ ሓድሽ ምዕራፍ እዩ ተሰጋጊሩ እምበር፡ ኣብቲ ፖሓኤ ዓሊሙ ዝቃለሰሉ ዘሎ ምውጋድ ወጻዓን ገባትን ጉጅለ ህግደፍን፡ ኣብ ክንዳኡ ቅዋማዊ፡ ብዙሕነታውን ዲሞክራስያውን ስርዓት ምትካልን ንምብጻሕ እቲ ዝያዳ ጻዕርን ተወፋይነት ዝሓትት ናይ ቃልሲ ብደሆ ኣብ ቅድሚኡ ይጽበዮ ከም ዘሎ ዘማትእ ኣይኮነን። ፖሓኤ ቃልሱ ኣብ ምውጋድ ወጽዓ ጥራይ ዝድረት ዘይኮነ ኣርሒቑ ከም ዝጥምት ኣብዚ ዋዕላ ብዘጽደቖ ቻርተር ኣሚቱ ኣሎ። እቲ ኣብዚ ጽላል ዝቆመ መሪሕነት ካብ ዝምርኮሰሎም ዕማማት ድማ ኣብቲ ቻርተር ቀሪቡ ኣሎ። እቲ ሓይልታት ነዚ ጽላል ክምስርት እንከሎ፡ ኣይኮነንዶ ወጽዓ ኣወጊድካ ብራህዋ ንምትካእ ኣብ ዝካየድ መሪርን ነዊሕን ቃልሲ፡ ኣብ ተራ ማሕበራዊ ህይወት ወዲሰብ እውን ብሓባር ተሰሊፍካ ምስጓም ከም ዘድምዕ ብምግንዛብ እዩ።
ኣባል ውድባት ፖሓኤ ነዚ ጽላል ንምምስራት ዝኸፈልዎ ክቡር ዋጋ፡ ብዘይካኡ ኣብ ዓወት ዘብጽሕ ካልእ መዋጸኦ ከምዘየለ ብምግንዛብ እዮም። ረብሓኡ ከኣ ናይ ኩሎም እምበር፡ ናይ ዝተወሰነ ካብኣቶም ከምዘይኮነ ብምስትውዓሎም እዮም። ናይቲ ጽላል ቃልሲ ምዕዋቱን ዘይምዕዋቱን ዝውሰን ድማ ብናይ ኩሎም ዘይተገደበ ጻዕርን ቃልስን እዩ። እቲ ክምስረትሉ መሪጸሞ ዘለዉ ኣዕኑድ እውን፡ እቲ ብዝሓሸ ኣኪቡ ከሰጉሞም ዝኽእል ንሱ ምዃኑ ብምእማን እዩ። እዚ ጥራይ ዘይኮነ እቲ መሰረታዊ ኣዕኑድ ናይቲ ውድባት ናይ ሓባር እምነትን ዝንባለን ዘንጸባርቕ ጥራይ ዘይኮነ፡ ህልዊ ፖለቲካዊ ኩነታት ኤርትራ ዘንብብን ንዝሰፍሕ ተሳትፎ ሓይልታት ለውጢ ዝዕድምን ከም ዝኸውን ኣብ ግምት ዘእተወ እዩ። ንኣብነት “ልኡላውነት ኤርትራን ሓድነት ህዝባን መሬታን ምዕቃብ” ዝብል ኣምር ክሳብ ክንደይ መሰረታውን ሓቛፍን ምዃኑ በብግዜኡ በቲ ሓይልታት ክእወጅ ዝጸንሐ ምዃኑ ኣብ ግምት ብምእታው ምርድኡ ዘጸገም ኣይኮነን። እዚ ኣተሓሕዛ ናይ ሓሳብ ብዙሕነት፡ ተመኩሮ ብዙሓት ምስ ናትና ዝመሳሰል ፖለቲካዊ ባህሪ ዘለዎምን ዝተዓወቱን ወገናት እውን ኣብ ግት ዘእተወ እዩ።
ፖሓኤ ኣብዚ ሓድነታዊ ቃልሱ ናብ ሓድሽ ምዕራፍ ዘሰጋግረሉ ዘሎ እዋን፡ ኣብ ኣገደስቲ ጉዳያት ናይ ሓባር ፖለቲካዊ ኣተሓሳስባ ኣጥርዩ ከም ዘሎ ዘርኢ እዩ። ብኣተሓሳስባ ክሳብ ክንድዚ ምቅርራቡ መሰረታዊ ኮይኑ፡ ኣብ ቅድሚኡ ናብ ተግባር ናይ ምስግጋሩ ወሳኒ ብድሆ ከም ዝጽበዮ ከኣ ኣብቲ ዋዕላ ብዝተፈላለዩ መልከዓት ተንጸባሪቑ’ሎ። ዝወሰኖም ፖለቲካዊ ውሳነታትን ዘውጸኦ መግለጽን እውን ነዚ እዮም ዘመልክቱ። እንተኾነ እቲ ቅኑዕ መንገዲ ምጥርናፍን ምስፋሕን ሒዝዎ ስለ ዘሎ ብኣኡ ሰጒሙ ካብ ምዕዋት ዝገትኦ ሓይሊ ከምዘይህሉ ኣብዚ ዋዕላ ምልክታቱ ዝተራእየ እዩ። ኣብ ቅድሚ ጽላል ፖሓኤ ዘሎ ዕማም፡ ብመንጽር ምትግባር ዝወሰኖ ውሳነታት ዝቃነ ኮይኑ፡ እቲ ቀንዲ ውሽጣዊ ጽንዓቱን ስጥመቱን ዝያዳ ምሕያልን ምትራርን ከም ዝኸውን ዘጠራጥር ኣይኮነን።
እቲ መድረኽ ናይ ሰለስተ ኣካላት ጥራይ ኮይኑ ክተርፍ ዘይኮነ፡ ናይ ብዙሓት ከም ዝኸውን ንምግባሩ ዝጀመሮ ናይ ምቅርራብ ጻዕሪ ክቕጽሎ እዩ። እቲ ጻዋዒትን ጐስጓስን ፖሓኤ ናይቶም ካለኦት ዝምልከቶም ቅርቡነት ተወሲኽዎ ዝዕወት እምበር፡ ብናቱ ድልየትን ጻዕርን ጥራይ ዝውሰን ኣይኮነን። ምስዚ ኩሉ ናይቲ ኣቐዲሙ ዝተደኮነ ጽላል ውሽጣዊ ስጥመት ምጽናዕ፡ ነቲ ኣብ ቀጻሊ ዝሰፍሕ ተሳትፎ እውን ወሳኒ እምነ-መሰረት ስለ ዝኸውን ኣገዳስነቱ ዕዙዝ እዩ። ንርከበሉ ዘለና እዋን ነቲ ኣገዳስነት ናይ ሓባር ጽላል ንጠልበሉ መጸዋዕታ ዝምጥን ዘይተሓለለ ጻዕሪ ክንገብር እንሕተተሉ ምዃኑ ኩሉ ክግንዘቦ ዝግባእ እዩ።
ኣብ ደንበ ተቓውሞ ኤርትራ፡ ምስ ናይ ፖሓኤ ዝመሳሰል ባህጊ ዘለዎም ውዳበታት ብዙሓት እዮም። እዚ ክሳብ ክንድዚ እናተደላለየ ዘይተጠርነፈ ባህግታት ኣብ ትሕቲ ናይ ሓባር ጽላል ብዝተወደበ ኣገባባት ጥራይ ከም ዝዕወትን ነዚ ንምትግባር ናይ ሓባር መቃለሲ ሜዳ ምምስራት ከም ዘድልን ከኣ ፖሓኤ ፈጢርዎ ዘሎ ጽላል ክጅምር እንከሎ ናይ ብዙሓት ምንባሩ ምስክር እዩ።
ኣብ ቀጻሊ እቲ ጽላል ብግብሪ ናይ ብዙሓት ከም ዝኸውን ን1ይ ዋዕላ ፖሓኤ ብዝተፈላለዩ ኤርትራዊ ፖለቲካዊ ትካላት፡ ግዱሳት ባእታታትን መድያታትን ዝተገብረሉ ምትብባዕ ዝነኣድ እዩ። ዝተፈላለዩ ወገናት ንምጥርናፍ ዘካይድዎ ዘለዉ ጻዕርን ቀጻሊ መደባት ዘተ ፖሓኤን እውን ክሳብ ክንይ ብሓባር ክንቃለስ ዝጽበየና ዕማም ከምዘሎ ዘመልክት እዩ። እምባኣር፡ ክሳብ ሎሚ ኩልና ናብ ሓደ ጽላል ክንመጽእ ዘይምኽኣልና ናይ ፖለቲካዊ ፍልልያት ኣተሓሕዛና ድኽመትና ዘመልክት ምዃኑ ተገንዚብና፡ ካብ ሕጂ ንድሓር ግና ንተረሓሒቕካ ምጥምማት ዕድል ክንህብ ኣይግበኣናን ንብል።
ርእሰ-ዓንቀጽ ሰዲህኤ
ዲሞራሲያዊ ውድብ ዓፋር ቀይሕ ባሕሪ፡ ስሙር ሃገራዊ ግንባር ኤርትራን ሰልፊ ዲሞራሲ ህዝቢ ኤርትራን ክዋስእሉ ዝጸንሑ ጽላል ኣብ መጀመርያ ሰሙን ወርሒ ነሃሰ 2024 ናብ ሓባራዊ ዋዕላን ፈስቲቫልን ክኣቱ እዩ። እቲ ዋዕላ ነቲ ዝጸንሔ ኣካይዳ ናብ ምቛም ወግዓዊ ጽላል ዘሰጋግር ክኸውን እንከሎ፡ እቲ ፈስቲቫል ድማ ውጽኢት ናይቲ ዋዕላ ዝብሰረሉ እዩ። ናይ ክልቲኡ ኣገደስቲ መድረኻት ኣሰናዳእቲ ሽማግለታት ድማ ምድላዋተን ኣጻፊፈን ኣለዋ።
እዚ ዋዕላ ኣብ ርእሲ እቲ ጽላል ብወግዒ ዝምስረተሉ ምዃኑ፡ ኣብ መጻኢ እቲ ጽላል ዝምረሓሉ ኣገደስቲ ሰነዳት ከጽድቕ እዩ። ኣብዚ ዝጸድቕ ውሽጣዊ ቅዋም እቲ ጽላል ካልኦት ኣባላት ወሲኹ ዝሰፍሓሉ መንገዲ ዝእምትን ኣብ ነንሕድሕዱ ከመይ ከም ዝናበብን ዘብርህ ዓንቀጻት ከም ዝህልዎ ዘማትእ ኣይኮነን። ካብዚ ሓሊፉ ንመጻኢ ነቲ ጽላል ዝመርሕ ኣካል ምስ ተጠባበቕቱ ኣብዚ ዋዕላ ክስየም እዩ። ካብዚ ብዘይፍለ ከኣ ኣብ ትሕቲ እቲ ዝስየም ሓጋጊ ኣካል ዝነጥፋ ፈጸምቲ ኣብያተ-ጽሕፈት ክንጸራ እየን።
እዚ ጽላል ክሳብ ሕጂ ተመስሪትሎም ዘሎን ኣብቲ ዋዕላ ዝጸድቁን መሰረታዊ መዕቀኒ ኣዕኑድ ፡ ልኣላውነት ኤርትራን ህዝባን ምዕቃብ፡ ዲክታተርያዊ ምምሕዳር ህግደፍ ምውጋድን ኣብ ክንድኡ ዲሞክራስያውን ቅዋማውን ስርዓት ምትካል፡ ሓድነት ህዝብን መሬትን ኤርትራ ምውሓስ፡ ኤርትራዊ ብዙሕነት ምንጽብራቕን ኩሉ ዲሞክራስያውን ሰብኣውን መሰላት ህዝቢ ኤርትራ ምኽባርን ዝብሉን ነፍሲ ወከፎም ሰፊሕ ዝርዝር ዝሓቖፉን እዮም። እዘን ጽላል ዘቑማ ዘለዋ ውድባት ካብዚ ውጻኢ ዘሰማምዐን የለን ማለት ኣይኮነን። እንተኾነ እዚኣቶም ቀዳምነት ዝተዋህብሉ ምኽንያት፡ መሰረታውያን መለለይታት ቃልሲ ኤርትራ ኮይኖም፡ ብብዙሓት ፖለቲካዊ ውድባትን ሰልፍታትን ኤርትራ ተቐባልነት ስለ ዘለዎም ዝሰፈሐ ሓይሊ ንምጥርናፍ ዘኽእሉ እዮም ካብ ዝብል ዝተወስዱ እዮም።
ናይዚ ጽላልዚ ምምስራት ኣብ ጉዕዞ ሓድነት ተቓውሞ ኤርትራ ናይ መጀመርያን መወዳእታን ስጉምቲ ዘይኮነ፡ ከም ቁልዒ ዝውሰድ እዩ። ነዚ ቁልዒ ንህግደፍ ክልብልቦ ናብ ዝኽእል ሓያል ህዝባዊ መጋርያ ንምምዕባሉ ድማ ናይ ኩሎም ብመንገዲ ምጥርናፍ ኣቢልካ ዓቕሚ ኣብ ምፍጣር ዝኣምኑ ወገናት ጻዕርን ተሳትፎን ከም ዝሓትት ፖሓኤ ኣዕዚዙ ይኣምንን ምእንታኡ ይቃለስን። ካብዚ ብምንቃል እዩ ከኣ ካልኦት ኤርትራዊ ፖለቲካዊ ውዳበታት’ውን ከም ናቶም ክወስድዎን ክሳተፍዎን ፖሓኤ ወትሩ ዝጽውዕን ኣብቲ ዋዕላ ከጉልሖ ትጽቢት ዝግበረሉን።
ምምስራት ጽላል ኣብ ደንበት ተቓውሞ ኤርትራ ክሳብ ሎሚ ዝወድቕን ዝትንስእን ዘሎ እምብር፡ ከምቲ ትጽቢት ዝግበረሉ ከም ዘይተዓወተ ናይ ኩልና ተዘክሮ ዝምስክሮ እዩ። እዚ ክበሃል እንከሎ ግና፡ ዝሃቦ ትምህርቲ የብሉን ማለት ኣይኮነን። ካብቲ ዝሓለፈ ናይ ምትንሳእን ምውዳቕን ስግኣት ብምንቃል ከምቲ “ብተመን ዝሰንበደስ ብልሕጺ ተዳህለ” ዝበሃል ምስላ፡ “ተበግሶ ፖሓኤኸ ክዕወት ድዩ?” ዝብል ሕቶ ክለዓል ይስማዕ እዩ። እዚ ስግኣት ካብቲ ዝሓለፍናዮ ዘይተዓወተ መስርሕ ዝነቅል እምበር፡ ካብ መሬት ሓፊስካ ዝውረ ከምዘይኮነ ፍሉጥ እዩ። ፖሓኤ’ውን ኣብ ግምት ዘየእትዎ ኣይኮነን። እንተኾነ ሎሚ ትማሊ ኣይኮነን። እቶም ተዋሳእቲ እውን ኣብቲ ዝቐደመ መስርሕ ዝነበሩ’ኳ እንተኾኑ፡ ምስ ትማሊ ዘይኮነስ ምስ ሎሚ ዝስጉሙ ዘለዉ እዮም። ካብዚ ሓሊፉ ቃልሲ ብውረድ ደይብ ዝተመልአ ኣብ መወዳእታ ብብራኸ ዝድምደም እምበር ልሙጽ መንገዲ ከምዘይኮነ ምርድኡ የድሊ። እቲ ቀንዲ ዝጽላእ ከኣ ናይ ምውዳቕን ምትንሳእን ሓጐጽጐጽ ዘይኮነ፡ ካብቲ ውድቀት ዘይምምሃር እዩ።
ስለዚ ናይዚ ፖሓኤ ዝምስርቶ ጽላል ናይ ምዕዋት ውሕስነት፡ በቲ ትማሊ ዘይነበረ ሎሚ ዝምዕብል ዘሎ “ምእንቲ ሓቢርካ ምቅላስ ክቡር ዋጋ ክኸፍል እዩ” ዝብል ግንዛበ ዝተበገሰ ጌርካ ዝውሰድ እዩ። ኮታ ናይ ሎሚ ናይ ምዕዋት ተስፋና ካብ ናይ ትማሊ ፍሽለት ምምሃርና ዝነቅል እዩ። ብኣተሓሳስባ ኣብቲ ናይ ትማሊ እንተንህሉ ግና ናብዚ ዋዕላ ንምብጻሕ ፖሓኤ ዝያዳ ሰለስተ ዓመታት ኣይምተጸመመን። ካብዚ ሓሊፉ፡ ኣብ ክንዲ ነቲ ዝፈላልየካ ንእሽቶ ተጉልሕ፡ ነቲ ዘሰማማዕካ ዝዓበየ ዝያዳ ኣጀንዳ ንምግባሩ ዝረአ ዘሎ ኣተሓሕዛ ተስፋ ዝህብ እዩ። ከምኡ እውን እቲ ናይ ትማሊ ኣብ ሕድሕድካ “ብማይ ቀጠነ” ምጽልላምን ምክሳስን ሎሚ ዘይምህላዉ ነቲ መንገዲ ምጽውዋርን ምክእኣልን ሒዝናዮ ንቃለስ ከም ዘለና ዘርኢ ስለ ዝኾነ፡ ክንዕቅቦ ዝግበኣና እዩ።
ናይቲ ኣብ ጽላል ፖሓኤ ዝጠራነፍ ዘሎ ሓይሊ ናይ ብዝሕን ዓይነትን ውሱንነት ዘሰክፎም ወገናት እውን ይስምዑ እዮም። እዚ እውን ዘየዛርብ ኣይኮነን። እንተኾነ በቲ ሓደ ወገን እቲ ጽላል ሒዝዎ ይብገስ ናይ ዘሎ ኣተሓሳስባ ንጹርነትን ህልዊ ኤርትራዊ ባይታን ዳህሲሱ ዝብገስ ዘሎ ስለ ዝኾነ፡ ነብሱ ዝኸኣለ ዓቕሚ ምዃኑ ምርድኡ የድሊ። በቲ ካልእ ወገን ከኣ ብመሰረቱ ጽላል ናይ ምፍጣር ምስጢር በበይኑ ክወፍር እንከሎ ዘየድምዕ ዝተበተነ ዓቕሚታት ናብ ሓደ ኣምጺእካ ከም ዘድምዕ ንምግባሩ ስለ ዝኾነ፡ ምምስራት ጽላል ካብ ናይ ዓቕሚ ውሱንነት ንምውጻእ ካብ ዝውሰዱ ስጉምትታት እቲ ቀዳማይ ምዃኑ ኣብ ግምት ክኣቱ ዝግበኦ እዩ።
ዘይሩ ዘይሩ፡ ናይዚ ብወግዒ ዝምስረት ጽላል ፖሓኤ ረብሓን ኣገዳስነትን ንኣባል ውድባቱ ጥራይ ዘይኮነ፡ ኣብ ቃልሲ ንሓድነት ህዝቢ ኤርትራ ናቱ ልሉይ ኣስተዋጸኦ ዘንብር እዩ። ኣገዳስነቱ ክሳብ ክንድዚ ኣብተን ዝምስርተኦ ዘለዋ ውድባት ጥራይ ዝድረት ካብ ዘይኮነ፡ ኩሎም ኤርትራዊ ናይ ለውጢ ሓይልታት፡ ኣባላት ናይቲ ጽላል ካብ ምዃን ጀሚሮም፡ ምስቲ ጽላል በብዝኽእልዎ ክተሓባበሩን ደገፎም በብዝጥዕሞም ኣገባባትን ክእለትን ከበርክቱን ፖሓኤ ኣብ ድሮ ዋዕላኡን ፈስቲቫሉን ይጽውዕ ኣሎ።
ኤርትራውያን ናይ ሓርነት ተቓለስቲ ኣብ ቅድሜና ዓበይ ዕማም እዩ ዘለና። ዕማምና ብሓፈሻ ክግለጽ እንከሎ፡ መሰረታዊ ናይ ስርዓት ለውጥን ኣብ ክንድኡ ምዕዋት ምዕዋት ዲሞክራሲ እዩ። እዚ መስርሕ ብዙሓት ምዕራፋት ዘለዉዎ፡ ናይ ብዙሓት ተሳትፎ ዝሓትት፡ ዝተፈላለዩ ገጻትን ብድሆታትን ዝሓቖፈ ከከም ግዝይኡን ኩነታቱትን ምትንሳእን ምውዳቕን ኣይፍለዮን። እቲ ክሳብ ሕጂ ዝመጻእናዮ ጉዕዞ ናይ ቃልሲ ድማ ነዚ እዩ ዘርኢ።
እዚ ዓብይ ዕማም፡ ናይ ብዙሓትን፡ ብብዙሓትን ዝስራሕ፣ ንብዙሓት ድማ ዘርብሕ እዩ ኢልናዮ ኣለና። ኣብዚ መስርሕ ናይ ብዙሓት ዓወት ንምምዝጋብ ድማ ዓቕምኻ ምውዳብ መሰረታዊ ቅድመ-ተደላይነት ዘልዎ እዩ። ካብዚ ብምንቃል እዩ ድማ ኣብ ኤርትራ ምውዳብ ኣካል ናይቲ ነዊሕ ግዜ ተመኩሮ ቃልስና ኮይኑ ዝምዝገብ። ኣወዳድባ ከከም ዕላማ፡ ቅሩብነትን ምርጫን ናይቶም ዝውደቡ ዝተፈላለየ መልከዓት ዝሕዝ ምዃኑ ፍሉጥ’ዩ። ካብቶም ልሙዳት ኣወዳድባታት ፖለቲካዊ ውድብን ሰልፍን ብቀዳምነት ዝጥቀሱ እዮም። ብደረጃ ህዝባዊ ምንቅስቓስን ሲቪላዊ ማሕበራትን ምውዳብ እውን ኣብቲ መስርሕ ነናቶም ግደ ዘለዎም ምጥርናፋት እዮም። ምውዳብ ናይ ሓባር ከተዕውቶ ዝግበኣካ ዕላማ ስለ ዘለካ ዝግበር ታራ ናይ ሰባት ምትእኽኻብ ዘይኮነ፡ ከከም ጠባይ ናይቲ ውደባ ክመዝንዎ ዝግበኦም፣ መዐቀኒታትን ቅጥዕታትን ኣለዉ።
ኣብ ምውዳብን ምልዕዓልን መበገሲኻ ምንጻርን ኣማዕዲኻ እትርእዮ መዓርፎ ምእማትን፡ ኣብ ርእሲኡ ድማ ብሓፈሻዊ መልክዕ እንተኾነ እውን ናይ ቀረባን ርሑቕን ራኢኻ ኣብ ግምት ዘእተወ እስትራተጅን ስልትን ምስኣል ኣገዳሲ እዩ። ነዚ ብወግዒ እተጽድቐሉን መጻኢኻ እትእውጀሉን ዕላውን ሕጋውን መድረኽ ምድኳን የድሊ። ንከምዚ ዝኣመሰል ዕማም ጉባአ ሓደ ካብቶም ልሙዳት መድረኻት እዩ። ኣብዚ መስርሕ ብፍላይ ፖለቲካዊ መልክዕ ውዳበ፡ ራኢኡ ዘንጸባርቐሉ ፖለቲካዊ መደብ ዕዮ፡ ኣካላት ናይቲ ውዳበ ጠርኒፉ ዘወሃህድ ቅዋም፡ ኣብ መስርሕ ምትግባር መደባት ዝወዳደሩ ዘይኮኑ፡ ዝመጋገቡን ሕድሕዶም ዝቆጻጸሩን ሓገግቲ፡ ፈጸምትን ፈረድትን ኣካላት፡ ብዲሞክራሲያዊ ኣገባብ ዝምረጽን ዝወርድን ነቲ ዕማም ዘተግብርን ኣድላይ ኣብ ዝኾነሉ ከኣ፡ ዝሕተትን ፖለቲካዊ መሪሕነት፡ ንፖለቲካዊ ሕጋዊ ውድድር ድልዊ ምዃንን ዝኣመሰሉ ቅሩብነታት ዘሳሲ ክኸውን ይግበኦ። ኣብዚ ብዝሕን ብቕዓትን ኣባላት ናይ ሓደ ውድብ ወይ ሰልፊ ኣድላይ ምዃኑ ኣየዘራርብን’ዩ። እቲ ወሳኒ መሰረታዊ መምዛኒ ግና፣ ናይቲ ዝምረሓሉ ፖለቲካዊ መደብ ዕዮን ዝሕንጽጾም መድረኻዊ ፖሊሲታትን ኩለ-መዳያዊ ኤርትራዊ ምሉእነትን ንጹርነትን እዩ።
ብኻልእ ወገን ኣብ ፖለቲካዊ መድረኽ መደብ ዕዮ ወኒኖም ንሓላፍነት ዘይወዳደሩ፡ እቲ ፖለቲካዊ ውዳበታት ካብቲ ዝምረሓሉ ብጉባአ ዘጽደቖ መስመር ከይወጸ ናይ ምትግባር ዓቕሙ ከተርንዕ ዝሕግዙ፡ ህዝቢ በቲ ብስሙ ዝንቀሳቐስ ውዳበታት ንከይጥለም፣ ዘኽእሎ ዓቕምን ንቕሓትን ንክውንን ዘበራብሩ፡ ከምኡ እውን ኣብ ምዕቃብ ሰብኣውን ዲሞክራስያውን መሰላትን ክብርታትን ዝጽዕቱ፡ ምስ ፖለቲካዊ ውዳበታት ዝተሃላልኹ ዘይኮኑ፡ ዝመላልኡን ሚዛን ንምሕላውን ዝቆጻጸሩን ሲቪላዊ ማሕበራትን ህዝባዊ ምንቅስቓሳትን እውን፣ ነብሱ ዝኻኣለ ግደ ዝጻወት ኣገዳሲ ውዳበ እዩ። ኣብ ኩሎም እዞም ውዳበታት እቲ ዋና ተዋሳኢ ህዝቢ እዩ። ስለዚ ህዝቢ፣ ምስ መን ከም ዝውደብ ብናጽነት ንክውሰንን ይሕሸኒ እዩ ዝብሎ ንኽሓርን፣ እተን ፖለቲካዊ ይኹና ሲቪላዊ ውዳበታት ዕላመአን እንታይ ምዃኑ ብንጹርን ግሉጽነትን ክገልጻሉ መሰረታዊ ተደላይነት ኣለዎ።
ኣብ ሓደ ፖለቲካዊ ትካል ብደረጃ ውዳበ ጸኒሕካ፡ ኩነታት መዚንካ ናብ ሲቪላዊ ማሕበር ምስጋር ምናልባሽ ዘጸገም ክኸውን ይኽእል። ብኣንጻሩ ኣብ ሲቪላዊ ማሕበር ወይ ምንቅስቓስ ጸኒሕካ ናብ ፖለቲካዊ ውድብ ኮነ ሰልፊ ምድያብ እውን ዘይከኣል ኣይኮነን። እዚ ምስግጋራት ግና ብመጀመርታ ነቲ መሰረታዊ መስርሕ ኣውዳድባ ክኽተል ኣድላይ እዩ። ብፍላይ ከኣ ህዝቢ ንከይደናገር እቲ ዝውሰድ ስጉምቲ ብግሉጽነት ከም ዝፍለጥ ምግባሩ፡ ነቲ ኣብቲ መስርሕ ዝዋሳእ ውድብ ድዩ ምንቅስቓስ ምስ ህዝቢ ዘላልዮ ኣገዳሲ ተግባር እዩ። ካብዚ ሓሊፉ ተግባራት ፖለቲካዊ ውደባን ዕማማት ሲቪላዊ ማሕበራትን እናደባለቕካ ምጉዓዝ፡ ነቲ ዝንቀሳቐስ ኣካል ኮነ ንህዝቢ ስለ ዘደናግር ኣጸጋሚ ከምዝኾነ ክንግዘቦ ዘድሊ እዩ። እዚ ካብቲ ዝፈጥሮ ናይ ህዝቢ ምድንጋ ንላዕሊ፣ ኣብኡ ተሰግሲጎም ንምፍራሱ ዝሰርሑ ክጽፈዩ’ውን ዕድል ዝኸፍት እዩ።
ኣብዚ እዋንዚ ኣብ ደንበ ተቓውሞ ኤርትራ፡ “ኤርትራዊ ፖለቲካዊ ውደቤታት መነመን እየን?” ሲቪላዊ ማሕበራትን ምንቅስቓሳትን ከ?” ዝብል ሕቶ ክቐርብ እንከሎ፡ ብቐሊሉ መልሲ ምርካብ ከም ዘጸገም ፍሉጥ እዩ። ካብቲ ምኽንያታት እቲ ቀንዲ ናይቶም ኣካላት ኣበየናይ ደርጃ ውዳበ ከምዘለዉ ዘየነጽሩ ምዃኖም እዩ። ኣብ ፖለቲካዊ ውድባት ወይ ኣብ ሲቪላዊ ማሕበራት ምውዳብ ናይ ምርጫ እምበር ናይ ፖለቲካዊ ብቕዓት መምዘኒ ከምዘይኮነ ምርዳእ የድሊ። ከምቲ ንገለ ወገናት ዝመስሎም እቶም ኣባላት ውድባትን ሰልፍታትን ምዃን ዝመርጹ ዝያዳ ፖለቲካዊ ፍልጠትን ተመኩሮን ዘለዎም፡ እቶም ኣብ ህዝባዊ ምንቅስቓሳትን ሲቪላዊ ማሕበራትን ዝውደቡ ከኣ ዝተሓተ ፖለቲካዊ ኣፍልጦን ተመኩሮን ዘለዎም ጌርካ ዝውሰድ ግጉይ ተረደኦ ኣሎ።
ከምቲ ቃልስና ምዕራፋት ኣለዉዎ ዝበልናዮ፡ ቀንዲ ቆላሕተና ኣብቲ ናይ ሎሚ ምትኳር ክኸውን እንከሎ፡ ብዛዕባቲ ዝሓለፍናዮ ምዝካርን ንጽባሕ እንሓስቦ ምእማት ድማ ኣድላይ እዩ። ናይ ሎምን ጽባሕን ዕማማት ተመጋገብቲ ኣብ ርእሲ ምዃኖም ንሓደ ኣካል “ንኺድ” ክትብሎ እንከለኻ “ናበይ?” ምስ በለካ ሕቶኡ ብግቡእ ክትምልሰሉ ዘይስገር ግደታ እዩ። ኣብ ኣመላልሳ ናይቲ ሕቶ ቀይሕ መስመር ሰጊርካ፡ ኣብ ንህዝቢ ዝምልከቱ ጉዳያት ኣቲኻ ኣብዘይህልውንኡን ተሳትፍኡን ከይትውስን ምጥንቃቕ የድሊ። ካልእ ናብ ናይ ጽባሕ ነቋመት ክበሃል እንከሎ፡ ኣብቲ ናይ ሎሚ ቀዳምነት ከየድማዕካ ነጢርካ ናብ ጽባሕ ጥራይ ምምዕዳው ማለት ኣይኮነን።፡ “ናይ ሎሚ ንግበር ናይ ጽባሕ ሽዑ ነርከበሉ” ካብ ዝብል ስምዒት “ንኺድ ጥራሕ” ካብ ምባል ክንጥንቀቕ ናይ ግድን እዩ። “እስኪ ከምዚ ንግበር” ክትብል እንከለኻ፡ “ጽባሕከ ናብይ ንምብጻሕ?” ዝብል ሕቶ ንምምላስ ድልዊ ምዃን የድሊ። እዚ ጉዳይ ብፍላይ ኣብዚ ኣዝዩ ተሃዋስን ተመዝማዝን ምዕባለታት ዝረኣየሉ ዘሎ እዋን ምስ ከባቢናን ጐረባብትናን ኣብ እንሓስቦ ዝምድናታት ብግቡእ ከነቕልበሉ ካብ ዝግበኣና እዩ።
ኣሉታዊ ተግባራት ህግደፍ ካብ ምዝርዛር፡ “ዋላ ሓንቲ ጣቋ የብሉን” ኢልካዮ ምሕላፉ ከም ዝቐልል ርዱእ እዩ። ናይቲ ኢንታታቱ መንቀሊ ኣካይድኡ ህዝባውን ትካላውን ሰረት ዘየብሉ ምዃኑ እዩ። እዚ ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ኤርትራ ኣብ ዝወስዶም ዘቤታዊ ስጉምትታት ጥራይ ዝድረት ዘይኮነ፡ ኣብ ዞባውን ኣህጉራውን ዝምድናታቱ’ውን ክረአ ዝጸነሐን ዘሎን እዩ።
መራሒ ጉጅለ ህግደፍ ኣብ ዝተፈላለዩ ኣጋጣምታት ብዛዕባ ቅዋምን ኣድላይነቱን ክሕተት እንከሎ፡ ዝህቦ መልሲ ኣብ ሕጫጨን ምንእኣስን ህዝብን መሰላቱን ዘድሃበ እዩ። ብዛዕባ’ቲ ኣብ 1997 ጸዲቑ ዝበሃል እሞ ኤርትራዊ ወገናት “ቅዋም ይተግበር” እናበሉ ዝጭርሕሉ ሰነድ ክሕተት እንከሎ ዝሃቦ ዘገርም፡ “እቲ ሰነድ ከይተተግበረ ሞይቱ እዩ” ዝብል ተስፋ ዘቑርጽ መልሲ፡ ካብቲ ብዙሕ ኢሳያስ ህዝቢ ኤርትራ ኣብ ገዛእ ጉዳዩ ብጽሒት ከም ዘየብሉ ኣምሲሉ ዝገለጸሉ ዘይሓላፍነታዊ ተረኽቦ እዩ። እዚ ኣበሃህላኡ በቲ ሓደ ወገን ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ኤርትራ ዘለዎ ንዕቀትን ብደዐን ዘርኢ ኮይኑ፡ በቲ ካልእ ወገን ድማ ካብ ትካላዊ ኣሰራርሓን ግሉጽነትን ዝወጸ ቀይዲ በተኽ ምዃኑ የመልክት።
ኣብ ኤርትራ ቅዋምን ቅዋማውነትን ዝብሉ ብቃልን ተግባርን ዝተሓረሙ ምዃኖም ተኸቲሉ፡ ብደረጃ እቲ ስማዊ መንግስቲ ይኹን ግንባር ጉባአ፡ ባይቶ’ ፈጻሚ፡ ፈራዲ፡ ……ወዘተ ዝብሉ ትካላውነት ዘመልክቱ ኣምራት ኣይስምዑን እዮም። እዚ ድማ ኤርትራ ክሳብ ክንደይ ኣብ ዲቕ ዝበለ ጭቆናን ትካላዊ ኣሰራርሓ ዝተሓረማን ኮይና ከምዘላ የርኢ። እዚ ኩሉ ተደሚሩ ከኣ ነቲ “ኤርትራ ልዕሊ 30 ዓመታት ኣብ ምልኪ ሓደ ውልቀሰብ” ዝብል ዘስደምም መደምደምታ የመልክት። እቲ ዘገርም ግን፡ ገለ ካብቶም ዝተጠለዉ‘ውን ከይተረፉ ደድሕሪ’ቲ ዝጠለሞም ጉጅለ ዘዳኽሩ ምዃኖም እዩ።
“ህዝቢ ኤርትራ ክሳብ ክንድዚ ኣብ ተመኩሮ እገለ እትበሃል ሃገር ዝተራእየ ብዘይበሃል ኩሉ መሰላቱ እናተጋህሰ፡ ስለምንታይ ድምጹ ኣበሪኹ ዘይቃወምን ዘይሓትትን?” ዝብል ሕቶ ብቐጻሊ ዝለዓል ናይ ብዙሓት መዛረቢ ኣጀንዳ እዩ። እቲ መብዛሕትኡ ዝሰማመዓሉ መልሲ፡ ኣብ ኤርትራ በቲ ጉጅለ ዝተፈጥረ ዘይምትእምማንን ሓያል ናይ ስለያ መርበባትን ከም ዘለዎ ኮይኑ፡ እቲ ጉጅለ ዝቕየደሉ ህዝባዊ ኣፍልጦ ዘለዎ ቅዋም ብዘይምህላዉ ከም ድላዩ ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ክዕንድር ዕድል ሂብዎ እዩ። ስለዚ ኣብ ኤርትራ እቲ ጉጅል መንግስታዊ ተሓታትነት ኣብ ዘየብሉ ቀይዲ በቲኹ ንክዕንድር ዘተባብዖ ዘሎ።
እዚ ቀይዲ በተኻዊ ባህርያት ህግደፍ፡ ኣብ ኩሉ ጽፍሒ ዝምድናታቱ ምስ ዝተፈላለዩ ወገናት’ውን ዝረአ እዩ። ህግደፍ ብፍላይ ኣብ መዳይ ቁጠባ ዝገብሮም ዝምድናታት ናይ ህዝቢ ኤርትራ ተሳትፎን ተጠቃምነትን ኣብ ግምት ዘየእትዉ፡ ኣብ ዙርያ ትካላት ቁጠባ ህግደፍ ጥራይ ዘኹድድ እዩ። ህግደፍ ዝገብሮም ስምምዓት ኣርሒቖም ዘይጥምቱ፡ ናይ ሓባር ተጠቃምነት ኣብ ግምት ዘየእትዉ ኣብ “ዝመንጠልካ መንጢልካ ምዕዛር” ዝተመስረተ ምዃኑ ኣብ ብዙሕ ኣጋጣምታት ተራእዩ እዩ። ኣብ ርእሲዚ ቁጠባዊ ስምምዓቱ ብትካላት ዘይኮነ፡ ብናይቲ ጉጅለ ገንዘብ ኣዋፈርቲ ባእታታት ዝተቓነየ ኮይኑ፡ ካብ ኮንትሮባንዳዊ ባህሪ ዘይተናገፈ እዩ። እዚ ርሑቕ ከይከድና ኣብ ዝምድናታቱ ምስ ሱዳንን ኢትዮጵያን ብተደጋጋሚ ዝተራእየ እዩ።
ዝምድና ብረብሓ ስለ ዝዕቀን ዝወርድን ዝድይብን ከም ዝኸውን ፍሉጥ እዩ። መብዛሕትኡ ናይ ህግደፍ ዝምድናታት ግና ምስቲ ዘይግሉጽ ኣካይድኡ ተጀሚሩ ከይተሰምዐ፡ ከም ዝተቛረጸ እዩ ዝውረ። እዚ ሓደ ካብ ንዕቀቱ ኣብ ልዕሊ ህዝብን“ ነቲ መን ሓታታይ ኣለኒ?” ዝብል ትምክሕቱ ዝንጸባረቐሉ እዩ። ዝምድናኡ ምስ ሱዳን እንተወስድና ንዘይሕጋዊ ንግዳዊ ምንቅስቓስ ዶብ ክኸፍትሉ እንከለዉ ይፋቐሮም። ንግድና “ሕጋውን ትካላውን መልክዕ ነትሕዞ” ዝብል ሓሳብ ክቐርቦ እንከሎ ከኣ ዘሎን ዘየሎን ሕማቕ መልክዕ ኣትሒዙ፡ ንልኡላውነት ሃገር ዝጐድእ ተርእዮ ከም ዝተፈጥረ ኣምሲሉ ናብ ዝለዓለ ደረጃ ጽልእን ውግእን የዕርጎ። ብመንጽርዚ ዶብ ኤርትራን ሱዳንን ክሳብ ክንደይ በብግዜኡ ከም ዝዕጸውን ከም ዝኽፈትን ካብ ህዝቢ ኤርትራ ዝተሰወረ ኣይኮነን።
ካብ ጽባሕ ናጽነት ጀሚሩ፡ ኣብ መንጎ ኤርትራን ኢትዮጵያን ዝነበረ ዝምድና “ህዝባውን ትካላውን ሰረት ስለ ዘይነበሮ“ ከኸትሎ ዝጸንሐ ሳዕቤናት ናይ ውግእን ጥፍኣትን ኣሉታዊ ተመኩሮ ኮይኑ ዝተመዝገበ እዩ። ህግደፍ ብናይ ኢትዮጵያ ብር ዝጥቀመሉ፡ ናይ ኢትዮጵያ ሽኮር፡ ቡን፡ ሰሊጥን ወርወር ቀላሚጦስን ናብ ወጻኢ እንዳለኣኽ ናይ ወጻኢ ሸርፊ ዝረኽበሉ ዝነበረ እዋን ነይሩ እዩ። ብዙሓት ወገናት እቲ ኣካይዳ ትካላዊ ኣሰራርሓን ህዝባዊ ግሉጽነትን ዝበኾረሉ ስለ ዝነበረ ውጽኢቱ ሕማቕ ከም ዝኸውን ስግኣት ዝሓደሮም ወገናት ስምዕታኦም ገሊጾም’ዮም። እዚ ዘይውሕሉል ዝምድና፡ ካልእ እውን ተወሲኽዎ ናይ 1998-2000 ዓለም ዘሰክሐ ደማዊ ውግእ ኣኸቲሉ።
ድሕሪ ናይ 18 ዓመታት “ኣይውግእ ኣይሰላም ሃዋህው” ብ2018 ኣብ መንጎ ኤርትራን ኢትዮጵያን ዝተሓደሰ ዕርክነት’ውን በቲ ናይ ቅድሚ ውግእ 1998-2000 ዝበረ ተመኩሮ ከይተማህረ እዩ ደጊምዎ። እዚ ድማ ህግደፍ ባህሪኡ ከይቅይር ዝተዓጥቀ ህልኸኛን ዓመጸኛን ጉጅለ ምንባሩን ምዃኑን ዘርኣየ ነይሩ። ኣብቲ ሓድሽ ዕርክነት ዝተራእየ ዳንኬራን ዕብድብድን ኢሳያስ ብዙሕ ግዜ ዝተዘርበሉ ስለ ዝኾነ ምድጋሙ ዘድሊ ኣይኮነን። እንተኾነ ኢሳያስ ከም ልማዱ ካብቲ ናይ ትግራይ ውግእ ዝመንጨተ መንጭቱ ክወጽእ ዝሓሰቦ ኣይኮነሉን። ነዚ ዘይዕግበቱ ድማ በቲ ተጠሊዑ “ኣብይን ምዕራባውያንን ኮሊፎምና” ዝበሎ ተኣሚንሉ እዩ።
ኣብ ውግእ ትግራይ እቲ ዝሓሰቦ ስለ ዘይኮነሉ፡ ነቲ ዝኾለፎ ውዕል ሰላም ፕሪቶርያ ንድሕሪት መሊሱ ካብ ምዕንቃፍ ኣይዓረፈን። ብቐጥታ ዘይኮነ ብኢድ ኣዙር ኣብ ጉዳይ ሶማልያን ሱዳንን ሒዝዎ ዘሎ መርገጽ’ውን ኣብ ውሽጡ ምፍዳይ ሕነ ዝሓቖፈ ስለዝኾነ፡ ካብ ውሽጣዊ ጉዳይ ናይተን ሃገራት ኢዱ ኣየውጸአን። ኣብዚ ቀረባ እዋን ናይ ቀዳማይ ምኒስተር ኢትዮጵያ ኣብ ፖርት ሱዳን ምስ ጀነራል ኣልቡርሃን ምርኻብን፡ ርክብ መራሕቲ ሱዳንን ሕቡራት ኢመረት ዓረብን ብተለፎንን ተኸቲሉ፡ መንገዲ ኣየር ኢትዮጵያ ድሕሪ 30 መስከረም 2024 በረራኡ ካብን ናብን ኣስመራ-ኣዲስ ኣበባ ክቋረጽ ወሲኑ ኣሎ። ስለዚ እዚ “ስርሕ ፍንጥሕ” ጉጅለ ህግደፍ ባዕሉ ጠጠው ዝብል ዘይኮነ፡ ጠጠው ምባሉ ኣካል’ቲ ኣብ ቅድሜና ዘሎ ቃልሲ ምዃኑ ንረደኣዮ።
ርእሰ ዓንቀጽ ሰዲህኤ
ኣብዚ እዋንዚ ኣብ ኤርትራዊ ፖለቲካዊ ሜዳ ብዙሓት ኣተሓሳስባታት ከም ዘለዉ ርኡይ ሓቂ እዩ። እቲ ኣብ ነፍሲ ወከፉ ንኡሳን ዘይመሰረታዊ ፍልልያት ዘይፍለይዎ፡ እሞ ጐሊሑ ዝረአ ኣተሓሳስባታት እቲ ውጽዓን በደልን ስዒሩ፡ ጥልመት ህግደፍ ዓጺፉን ራህዋን ዲሞክራስን ከንግስ ምእንቲ ሓርነት ዝቃለስ ዘሎ ኣተሓሳስባ ሓደ እዩ። እቲ ተጻራሪኡ ድማ ኣርዑት ወጽዓ ኣትሪሩ፡ ህዝባዊ ሕድሪ ብምጥላም ዕድመ ስልጣኑ ከንውሕ ትልኽ ዝብል ዘሎ ንህግደፍ ዝውክል ጨቋኒ ናይ ዓመጽ ኣተሓሳስባ እዩ። ኣብ ኣሰላልፋ ኣብ ክልቲኡ ኣተሓሳስባ ዘየለ እሞ ዝበዝሐ ምዃኑ ዝንገረሉ፡ ኣጽቂጡ ዝዕዘብ ኤርትራዊ ከም ዘሎ ኣይዝንጋዕን።
ዓላማ ህግደፍ ዕድመ ወጽዓ ምንዋሕ ካብ ኮነ፡ እቲ ኣንጻሩ ዝቃለስ ዘሎ ውዳበታትን ህዝብ ኤርትራን ከኣ ንሓንሳብ ናቱ ተበግሶ ብምውሳድ ንሓንሳብ ድማ ንኣዕናዊ ተግባራት ናይቲ ጉጅለ ተኸታቲሉ ብምቅላዕ ናይ ምክልኻል ስልቲ ዝኽተል ናይ መሰረታዊ ለውጢ ሓይሊ እዩ። ኣብዚ እዋንዚ ኣካይዳ ደንበ ተቓውሞ ኤርትራ ኣብ መብዛሕትኡ ደድሕሪ ተበግሶን ኣጀንዳን ህግደፍ ዝኽተል ብምዃኑ ካብ ዝንቀፈሎምን ከእርሞም ዝግብኦን ድኹም ጐድለታት ሓደ እዩ። ኣብ ከምዚ ኣብ መንጎንና ህግደፍን ዝካየድ ዘሎ ቀጻሊ ግጥም ምክልኻል ኣድካሚ ኣብ ርእሲ ምዃኑ፡ ብናትካ መደባት ከይትጐዓዝ ስለ ዝገትእ ኣብ ፍሉይ ኣጋጣሚ እንተዘይኮይኑ ወትሩ ክትክተሎ እምብዛ ተመራጺ ኣይኮነን።
ህግደፍ በብግዜኡ ብኢደወነኑ ዝውስኖም፡ ከም ግዱድ ወተሃደራዊ ኣገልግሎት ዝኣመሰሉ ዘይሕገመንግስታዊ ኣዋጃት ብመንጽርቲ ኣብ ሕብረተሰብ ኤርትራ ዘውርድዎ ሃስያን ጉድኣትን ወትሩ ክቃልዑ ዝግበኦም እዮም። እቲ ጉጅለ ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ኤርትራ ብቐጻሊ ዘውርዶ ጃምላዊ ማእሰርቲ፡ ቅትለት፡ ምስዋርን፡ ምግሃስ ኩሉ መሰረታዊ መሰላትን ኮታ ብኩራት ልዕልና ፍትሒ እውን፡ ደድሕሪ ኣጀንዳ ናይቲ ወጻዒ ንዘይምኻድ ተባሂሉ ስቕ ኢልካ ዘይስገሩ ደጋጊምካ ክቃልዑ ዝግበኦም እዮም። ካብዚ ሓሊፉ፡ ሓሓሊፉ በብኩርናዑ ዝኸፍቶም ዘይሓላፍነታዊ እሞ ድማ ኣብ ልዕሊ ህይወትን ንብረትን ኤርትራ ህልቂትን ዕንወትን ዘኸትሉ ውግኣት፡ ረብሓ ሃገርን ኣፍልጦ ህዝባን መእከል ዘይገበሩ ዲፕሎማሲያዊ ዕንደራታት እውን ኣለዉ። እዚኣቶምን ከምኦም ዝኣመሰሉ ተግባራትን ስቕ ኢልካ እትዕዘቦም ዘይኮኑ፡ ግዜ፡ ኩነታትን ቦታን መሪጽካ ብመርተዖ ኣሰኒኻ ክቃልዑ ዝግበኦም እዮም።
ኩሉ ግዜ ግዳይ ደድሕሪ ኣጀንዳ ህግደፍ ምኻድ ንዘይምዃን እቲ መሰረታዊ መፍትሒ ናትካ ተበግሶ ብምውሳድ ኣጀንዳኻ ሰሪዕካ ምቅላስ እዩ። ኣጀንዳ ክትመርጽ እንከለኻ ከኣ ንስለ ኣጀንዳ ምሓዝ ዘይኮነ፡ ንህግደፍ ዘሕምሞን ተገዲዱ ንምክልኻሉ ደድሕሪ ኣጀንዳኻ ክኸይድ ዝድርኾን ክኸውን ግድን’ዩ። እቲ ዝምረጽ ኣጀንዳ ጸላኢኻ ብዛዕብኡ ንክዛረብ እንተዘየገዲድዎ ነቲ ምርጫ ተመሊስካ ምጽንዑን ዳግመ ርኢቶ ምግባርን ናይ ግድን እዩ። ከምኡ እንተዘይኮይኑ ግና ህግደፍ ካብቲ “ስቕ መሪጽና” ዝብሎ መሕብኢ በዓቲ ተጐቲቱ ክወጽእ ኣይክእልን እዩ።
ኣብ ርእሲ’ቲ ኤርትራዊ ናይ ተቓውሞ ውድባት፡ ሰልፍታትን ምንቅስቓሳትን ካብ ነዊሕ ግዜ ጀሚረን ኣንጻር ህግደፍ ክወስደኦ ዝጸንሕ ናይ ምጥቃዕን ምክልኻልን ስጉምትታት፡ ኣብ ዝሓለፈ ክልተ ዓመታት ብብርጌድ ንሓመዱ ዝተራእየ ናይ ኤርትራውያን መንእሰያት ኣብ ወጻኢ ተበግሶ፡ ህግደፍ ስለ ዘይተጸበዮ ብስንባደ ክዛረበሉን ክከላኸሎን ከም ዝተገደደ ተዓዚብናዮ ኢና። እዚ ድማ፡ ህግደፍ ዝኽተሎ ዝነበረ ሓሶቱን ጸለመን ብዘየገድስ፡ ደድሕሪ ኣጀንዳ ተቓውሞ ዘብዘብ ክብል ካብ ዝተገደደሉ ተመኩሮታት ሓደ እዩ ክበሃል ዝከኣል እዩ። ኣብዚ እቲ ህግደፍ ዝመረጾ ስልቲ ነቲ ተበግሶ ናብ ናቱ ምቕያር ከም ዝነበረ ተዓዚብናዮ። ነዚ ንምትግባር ብጻዕቂ ፈስቲቫላት ኣብ ምውዳብ ኣትዩ። ነቲ ማዕበላት ድማ ናብ ምክልኻል ኣንጻር ፈስቲቫላት ከእትዎን ምስ ኣኽበርቲ ጸጥታ ናይ ዝተፈላለያ ሃገራት ኣብ ምትህልልኽን ምጉናጽን ከእትዎ ጽዒሩ። ነቲ ኣሰላልፋ ከኣ ናይ ኣፍራስን ሃናጽን መልክዕ ከትሕዞ ፈቲኑ። ናይቲ ብዝተፈላለየ ኣስማት ዝጽዋዕ ውዳበታት መንእሰይ ህግደፍ ምፍጣር ምስጢር እውን ካብዚ ዝተፈልየ ኣይነበረን።
እቲ ናይ መንእሰያት ናይ ለውጢማዕበል፡ ነቲ ውጽኢት መዚኑ፡ ቀልጢፉ ብናቱ ተበግሶ ናይተን ሃገራት ሕጊ ብዘይጻረር ናብ ናይ ኣደባባይ ተቓውሞ ሰልፍታትን ናይ ኣዳራሽ ኣኼባታትን ብምቅያር ንህግደፍ ናይ ምቅላዕ ተግባሩ ምስ ቀጸለ፡ ህግደፍ ብኣንጻሩ ብናይቲ ማዕበል ኣጀንዳ ተገዚኡ ናብ ምክልኻል ተመሊሱ ኣብ ኣደባባይ ዘይጐንነጻዊ ተቓውሞ ከስምዕን ምስ ከኣለ፡ ህግደፍ ዝተፈላለዩ ጉጅለታት ወዲቡ ናብቲ ህዝባዊ ማዕበል ኣእማን ክድርብን ስሕለት ብዝዓጠቑ መንእሰያት ቅትለት ከፈጽም ተራእዩ። “ናብ ተቓዋሚ ዝተቐየረ መንግስቲ” ዝተባህለሉ ህሞት ከኣ ተፈጢሩ። ድሕሪ ሕጂ ኣብ ፈቐዶ ሃገር ከምቲ ኣብ ኤርትራ ዝለመዶ ዳንኬራታት ክገብር ከምዘይክእል ንናብ ዝተረደኣሉ ዝበጽሐ”ውን ይመስል።
ህግደፍ ካብ ደንበ ተቓውሞ ካብ ዝፈርሖም ብዙሓት ተበግሶታት ሓደ፡ ተቓወምቱ ፖለቲካዊ ውዳበታት፡ ፍልልያቶም ኣመሓዲሮም ኣብቲ ዘሰማምዖም ነጥብታት ኣትኪሎም፡ ንምውጋዱ ሓቢሮም ዝቃለስሉ ጽላል ወይ መድረኽ ከይፈጥሩ እዩ። ምኽንያቱ እቲ ናይ ሓባር ጽላል ምምስራት ምሕያል ደንበ ተቓውሞ ዘርኢ ክኸውን እንከሎ፡ ብኽንድኡ ደረጃ ንቐጻልነቱ ኣብ ሓደጋ ካብ ዘውድቑዎ ሓደ ምዃኑ ኣዳዕዲዑ ስለ ዝኣምን። ካብዚ ስግኣትዚ ነቒሉ እዩ ድማ ገለ የወሃት እንዳስደዐ ደንበ ተቓውሞ ብሓባር ከምዘይቃለሶ ንምስንኻሉ ከይደቀሰ ዝሓደርን ብልሳኑ ዝዛረቡ መሰልቱ ዘረግቲ ዘዋፍርን ዘሎ። ስለዚ ደንበ ተቓውሞ ኤርትራ፡ ደድሕሪ ኣጀንዳ ህግደፍ ካብ ምኻድ ከውጽእዎ ካብ ዝኽእሉ፡ “ክሳብ መዓስ ደድሕሪ ኣጀንዳ ህግደፍ?” ንዝብል ሕቶ መሊሱ፡ ህግድፍ ብዛዕባቲ ጽላል ንክዛረብ ዝድረኸሉ ኩነታት ክፈጥር ይግበኦ።