EPDP Editorial

ሃገር፡ ኩሉ ክሓልፍ እንከሎ፡ ዘይትሓልፍ ናይ ኩሎም ደቃ ጸጋ  እያ። ሃገር ዜጋታታ ከም ኣደ  ዝሕልውዋን ዘኽብርዋን እምበር፡ ንሳ ንኽትገብሎምና ዝጸባጸብዋ ኣይኮነትን። ሃገረይ እንታይ ክገብረልኪ እምበር፡ እንታይ ትገብርለይ ኣይባሃልን ዝብል ዓሚቕ ምሳልያዊ ኣበሃህላ ከኣ፡ ካብዚ እዩ ዝነቅል። ሃገር ተስፋን ጽላልን እትኸውን ከኣ ብህዝባ ክትምዕርግን ክትለምዕን እንከላ እያ። ሃገር ብዘይ ህዝቢ፡ ህዝቢ ብዘይ ሃገር ትርጉም የብሎምን ዝበሃልን ብሓደ ዓይኒ ርኢኻ ዋጋ እንኸፍለሎምን ከኣ ካብዚ ዜግነታዊ መሰልን ግቡእን ነቒልካ እዩ። ምእንቲ ህዝቢ ወይ ምእንቲ ሃገር ምውፋይ ፈላሊና ዘይረኣይ እውን ካብዚ ዘይከሓድ ሓቂ  ብምንቃል እዩ። ህዝብን ሃገርን፡ ዝሓልፍ ስርዓት  እናፋነዉ ንሓድሽ ከኣ እናተቐበሉን፡  ህልውናኦም  ቀጻሊ እዩ።

ሃገር እትዕቀብን እትቀስንን  እቲ ካብኣ ዝተፈልየ ህልውናን ዕድልን ዘየብሉ ህዝባ ንጸጋታታ ብማዕረን ብግቡእን ተጠቃሚ ክኸውን እንከሎ እዩ። እዚ ግብራዊ ዝኸውን ድማ፡ ሃገር በቲ ሓደ ወገን ምስ ህዝባ ኮይኑ ዝሕልዋ፡ በቲ ካልእ ወገን ከኣ ህዝባ ብጸጋታት ሃገሩ ክጥቀም ዘኽእል፡ ህዝቢ ዝዋንኡ  ስርዓት ክህልዋ እንከሎ እዩ። ሓደ ስርዓት ነዚ ህዝባዊ ሓደራ ክበቅዕ፡ ምስቲ  ዘመሓድሮ መሰረታዊ ሕገመንግስታዊ   ዝቕየደሉ ውዕል ክህልዎ ናይ ግድን እዩ። እዚ ውዕልዚ ነቲ ዝመሓደር ህዝቢ ኮነ ነቲ ዘመሓድር ስርዓት ነፍሲ ወከፎም እንታይ ይገብሩን እንታይ ኣይገብሩን ዝድርት እዩ።

ሃገርን ህዝብን ንምምሕዳር ዝምስረቱ ስርዓታት፡ ናብ ስልጣን ብዝተፈላለዩ ኣገባባት ክመጹ ይኽእሉ። ዝተፈላለዩ መልከዓትን ባህርያት’ውን ይህልዎም። እቲ ቀንዲ ዝምዘንሉን ዝዕቀንሉን ከኣ ንህዝብን ሃገርን ብዝህልዎም  ክብርን ብዝህብዎ ፍትሓዊ መሪሕነታዊ ኣገልግሎትን እዩ። ስርዓታት ነዚ ሕድሪ’ዚ ረብሓ ህዝቢ ኣማእኪሎም እንተዘይመሪሖም ግና፡ ዝመጽሉ ኣገባብ፡ ዝኽተልዎ ስልቲ፡ ዝጽውዕሉ ስምን ዝሕዝዎ ቅርጽን ብዘየገድስ፡ ተቐባልነት የብሎምን። ንኣብነት ሎሚ ንህዝቢ ኤርትራ ዝሕምሶን ዝዘርጎን ዘሎ ስርዓት፡ እቲ ቀንዲ ምስ ህዝቢ ኤርትራ ዘተኣሳሮ መምዘኒኡ  ተሓታትነት ዘለዎ፡ መቆጻጻሪ ውዕል ዘየብሉ ዓንዳሪ  ምዃኑ እዩ።

ህዝቢ ንሃገሩ ብዘለዎ ፍቕሪ ጥራይ ኣይነብርን እዩ። ኣብታ ዝፈትዋ ሃገሩ ሰላም ዘውሕሰሉ፡ ምዕሩይ ቁጠባዊ ተጠቃምነቱ ዘረጋግጸሉን ትርግታ ልቡ ዝርደኣሉን ስርዓት እውን የድልዮ። ነዚ ዝበቅዕ ስርዓት ከማለኦም ካብ ዝግበኦ መሰረታዊ መምዘንታት ከኣ ብፈቓድን ድሌትን  ናይቲ ዝመሓደር ህዝቢ ናብ ስልጣን ዝደየበ ክኸውን  እንከሎ እዩ። ብቃሕትኡ ብዓመጽ መጺኡ፡ ከም ድላዩ ዝዕንድር ቀይዲ በተኽ ስርዓት ግና፡ ሃረርታ  ህዝቢ ከማልእ ባህርያቱ ኣይፈቕደሉን እዩ። ህልዊ ዝምድና ህዝቢ ኤርትራን ናይቲ “አመሓድሮ ኣለኹ” ዝብል፡ ግሉጽነትን ተሓታትነትን ዝሓረሞ ጉጅለ ህግደፍን ከኣ በዚ እዩ ዝምዘን። ተተሓሒዝናዮ ዘለና ናይ ለውጢ ቃልስና ቀንዲ ምኽንያት ድማ፡ ነዚ ካብ ናይ ጐይታን ጊላን ዝምድና ፈሊኻ ዘይርአ፡ ዝንቡዕ ዝምድና ሃገር፡ ህዝብን ስርዓትን ንቡር ሕገመንግስታዊ መልክዕ ንምትሓዝ እዩ።

ብዘይምርጫ ህዝቢ ኣብ ስልጣን ተኾይጡ ዕድመ ስልጣኑ ከናውሕ ዝጽዕት ስርዓት፡ እቲ ቀንዲ ዝጥቀመሉ ሸፋጢ ስልቲ፡ ዘይትግበር መብጸዓታት ብምእታውን ምድህላል እዩ። ናይዚ መርኣያ ድማ እቲ በብግዜኡ ዘይኮኖ መሲሉ ንምቕራብ ዝፍትኖ  እዩ። ካብቲ ሃቐነታቱ  እቲ ቀንዲ ፈታዊ ሃገር መሲልካ ብምቕራብ፡  ህዝቢ ከኣ ፈታው ሃገረይ ካብ ኮነስ” ኢሉ  ንክድግፎ  ካብ ዝብል ህርፋን፡ ዕድመ ከንውሓሉ ምጽዓር እዩ። እዚ ማለት ህዝቢ ኣብቲ ሃገርን ህዝብን ኣይሓልፉን እዮም፡ ስርዓታት ግና ሓለፍቲ እዮም  ዝብል ኣምር ንጹር እምነት ከይሕዝ እሞ፡ ካብታ ዘይትሓልፍ ሃገር ነጺሉ ከይነጽጎ  ካብ ዝፍሕሶ ውዲታት፡  እዩ።

እዚ ምስቲ ጉጅለ ህግደፍ፡ ህዝቢ ኤርትራ ንዘለዎ ልዑል ፍቕሪ ሃገር ንምምዝማዝ ዝጥቀመሉ ተንኮል ብቐጥታ ዝዛመድ እዩ። ውሑዳት ግሩሃት ኤርትራውያን እቲ ጉጅለ ክንቀፍን ተቓውሞ ከጋጥሞን እንከሎ፡ ሃገርን ምእንተኣ ዝተበጀዉ ሓርበኛታትን ከም ዝተተንከፉን ዝተደፍሩን ጌሮም ዝወስዱ ኣለዉ። እዚ ተረድኦዚ ብሰንኪ እቲ ጉጅለ ዝምህዞ ሓደገኛ ተንኮል ዝሓደሮም ግጉይ ተረድኦ እዩ። እንተ ኤርትራውያን ጀጋኑ ዝተሰውኡን ዝተበጀዉን ምእንቲ ዘይሓልፍ ህዝብን ዝፈትውውዋ ሃገርን እምበር፡ ምእንቲ ነቲ ንህዝቢ ደም ዘንብዕ ዘሎ ሓላፋይ ስርዓት ኣይኮኑን።

ህዝቢ ንሃገሩ ዘለዎ ፍቕርን ክብርን ንምግላጽ፡ ቅድሚ ኩሉ እታ ብዋጋ ቃልሱ ዘምጸኣ ሃገርን፡ ብሰንኪ ኣዕናዊ ተግባሩ   ዝቃወሞ ዘሎ ጠላም ስርዓትን ከይሓዋወስዎ ክጥንቀቕ ይግበኦ። ነዚ መሰረታዊ ተረድኦዚ እንተዘየነጺሩ ግና፡ ነቲ ሕድሩ ዝጠለመ ስርዓት ክድግፍ ክብል፡ ነታ በጃ ዝሓለፈላ ሃገር ኣብ ሓደጋ ዘውድቐሉ ኩነታት ክፍጠር ከም ዝኽል ኣዚሩ ክሓስብ ይግበኦ። ከይተፈለጦ ግዳይቲ ጉጅለ እንተኮይኑ ግና ኣንጻር’ታ ከም ናይ ዓይኑ ብሌን ክሕልዋ ዝግበኦ ሃገር ክኸውን ይኽእል እዩ።

ኣብ ዝሓለፈ  እዋን ብዘይምኽኑይ ፍቕሪ ህግደፍ ልቦም ዝተሰልበ ወገናት፡ ንኺድ ጥራይ እንዳበሉን ናይቲ ጉጅለ ጭረሖ እናቃልሑን፡ ኣንጻር ልኡላዊነት ሃገሮም ኣበይ በጺሖም ከም ዝነበሩ ሎሚ ይፍጠር ምስ ዘሎ ኩነታት ኣረኣእዮም ከነስተብህልሉን ክመሃርሉን ይግበኦም። ህዝቢ ኣብ ገዛእ እታ ብኹቡር ዋጋን ነዊሕ መስርሕን ቃልስን ዝተዋሕሰት ሃገሩ፡ ንዘይማእመኦ ስርዓት ናይ  ምቅዋም ምሉእ መሰል ክህልዎ መተገብአ። ግና ብሰንኪ ህግደፍ ህዝቢ ኤርትራ ናይዚ መሰል ተጠቃሚ ክኸውን ኣይከኣለን።

ህዝቢ ኤርትራ ኣብዚ እዋንዚ መሰረታዊ መሰሉ ከውሕስን ግዳይ ህግደፍ ከይከውንን ክትንስእ እንከሎ፡ እቲ ጉሒላ ጉጅለ ዓይኑ ደም ዝመልእ እምበር፡ ዝምርቐሉ ከምዘይኮነ ክርዳእ ይግበኦ። ካልእ ብዓንተቦ ክውገድ ዝግበኦ ዝነበረ ሎሚ’ውን ዝረአ ዘሎ ጸገም፡  ርኢኻ ከምዘይረኣኻ ምጽቃጥ ጥራይ ኣይኮነን። በቲ ካልእ ወገን፡ ካብቲ ስርዓት ተስፋ ቆሪጽካ፡ ንዓኡ ዘረኸብካ መሲሉካ፡  ህልውና፡ ቀጻልነትን ሃገርካን ልኡላውነታን ኣብ ሓደጋ ዘእቱ ናይ ግዳም ወስታ ምትብባዕ ፡ ከይሳዕረረ እንከሎ “ኣይፋል” ክበሃል ዝግበኦ እዩ። ናይ ከምዚ ኣተሓሳስባ ግዳይ ዝኾኑ ኣካላት ከኣ ናብ ውነኦም ክምለሱ መልእኽትና ይብጸሓዮም።

ህልዊ መሰረታዊ ጸገም ኤርትራውያን፡ ክቱርን ኩለ-መዳያዊ ጭቆናን ጉጅለ ህግደፍን ምዃኑ ኣብ ቅድሚ ኩሉ ብሩህ እዩ። ከምዚ ሎሚ ብወገን መንግስቲ ብልጽግና ዝዋፈር ዘሎ ዝኣመሰለ ኣንጻር ልኡላውነት ኤርትራ ዝቃልሕ ግዳማዊ ተጸብኦ ከም ዘጋጥም’ኳ ዝረአ ዘሎ እንተኾነ፡ እቲ ቀንዲ ግና ህግደፍ ዝመበቆሉ ዘቤታዊ ጸገም እዩ። ብዛዕባ’ቲ ጸገምናን መፍትሒኡን ኣብ ገዛእ ሃገርና፡  ምስ ህዝብና ሓቢርና እንቃለሰሉ ባይታ ዘይምርካብና ከኣ ነቲ ጸገም ተደራራቢ ይገብሮ። ብሰንክዚ ኢና ከኣ ኤርትራውያን ሓይልታት ለውጢ ኣብ ፈቐዶ ሃገራት ፋሕ ጭንግራሕ ኢልና ክንቃለስ ተገዲድና ዘለና።

ኣብ ወጻኢ ከም መቃለሲ ዝምረጽ ቦታ ህዝብኻ ኣብ ዘለዎ ሃገር እዩ’ሞ፡ ኣብዚ እዋንዚ ኤርትራዊ ዘይኣተዋ ሃገር ስለ ዘየለ ቃልስና በብደረጃኡ ኣብ መላእ ዓለም ዝካየድ ዘሎ’ዩ። እቲ ቃልሲ ብህዝቢ፡ ካብ ህዝቢ ንህዝቢ ስለ ዝኾነ እዩ ከኣ ህላወ ህዝቢ ከም ናይ ቃልሲ መዕቀኒ ዝውሰድ። ካብኡ ናብኡ እቲ ዝያዳ ዝምረጽ መቃለሲ ቦታ  ደሃይ ቃልስኻ ናብቲ ኣብ ሃገሩ ዘሎ ደላይ ለውጢ ህዝቢ ብቐሊሉ ዝስመዓሉን ዝጸልወሉን ጐረቤት ሃገር እዩ። ኣብ ታሪኽ ቃልስና ንሱዳንን ህዝባን ፍሉይ ግምታ ክወሃቦም ዝጸንሐ ከኣ ብመንጽርዚ እዩ።  ኢትዮጵያ እውን ብፍላይ ድሕሪ ውድቀት ስርዓት ደርጊ፡ መነሃርያ ቃልስና ኮይና ጸኒሓ’ያ። እዘን ሃገራት ከም መነሃርያ ዝምረጻ፡ ጐረባብቲ ብምዃነን ጥራይ ዘይኮነ፡ ካብ ነዊሕ ግዜ ጀሚሩ ህዝብና ብእግሪ ከይተረፈ ተጓዒዙ ዝመላለሰን ብምዃነን’ውን እየን።

 ናይቶም ነተን ሃገራት ዝመርሕወን መንግስታት ፖለቲካዊ ባህሪ እውን ናቱ ግደ ነይርዎን ኣለዎን። በዚ መዕቀኒ ህዝብን መንግስትን ሱዳን ኣብቲ ነዊሕ ቃልሲ ህዝቢ ኤርትራ ንናጽነት ዝነበሮም እወታዊ ግደ ታሪኽ ዝርሰዖ ኣይኮነን። መንግስታት ኢትዮጵያ ከኣ ኣብ ግዜ ሃጸይ ሃይለስላሴን ወተሃደራዊ ስርዓት ደርግን፡  ኣንጻር ሰውራ ኤርትራ ይዋግኡ ስለ ዝነበሩ፡ ኣብኡ ኮይንካ ምቅላስ ክሳብ ክንደይ ከቢድ ከም ዝነበረ ምዝካሩ ዘጸግም ኣይኮነን። ምስ ኩሉቲ ጸቢብ ዕድል ግና ኣማኢት ኤርትራውያን ብምስጢር ተወዲቦም ግቡኣቶም እናፈጸሙ ክቡር መስዋእቲ ከፊሎም እዮም። ኣብዚ እዋንዚ ከኣ ኩነታት ኢትዮጵያ ብመንጽር ቃልሲ ኤርትራውያን፡ ናብቲ  ኢህወደግ ስልጣን ቅድሚ ምሓዙ ዝነበረሉ ኩነታት ዝምለስ ዘሎ እዩ ዝመስል።

መንግስቲ ኢትዮጵያ ኣብ ግዜ ኢህወደግ፡ ልዕሊ ኩሉ ኣብ ናጽናትን ልኡላውነትን ኤርትራ ዝማታእ ኣይነበረን። ናጽነት ኤርትራ ምእማን ጥራይ ዘይኮነ፡ ኣብ ኤርትራ፡ ዲክታተርነት ተወጊዱ ህዝቢ ዝማእከሉ ሕገመንግስታዊ፡ ብዙሕነታ’ውን ዲሞክራሲያ’ውን ስርዓት ንክምስረት ብዘተባብዕ ስርዓት እያ ትምራሕ ነይራ። ኣብቲ መስርሕ ናቱ ሕሳባት እኳ እንተነበሮ፡ ኣብ ኤርትራ ለውጢ ንምግሃድ ንዝቃለሳ ውድባትን ሰልፍታትን ምስቲ ኣብ ኢትዮጵያ ዝነበረ ደላይ ለውጢ ኤርትራዊ ተራኺበን ምእንቲ መሰሉ ንክቃለስ ኣለዓዒለን ዝውድባሉ ባይታ’ውን ዝፈቅድ እዩ ነይሩ። ብሳላ’ዚ ባይታዚ እየን ከኣ ምስ ኩሉ ድኽመታተን ኣስታት 13 ውድባትን ሰልፍታትን ደንበ ተቓውሞ ኤርትራ፡ ነናተን ኮነ ናይ ሓባረን ኣብያተ-ቤት ጽሕፈት ከፊተን ፖለቲካዊ ምንቅስቓስ ዘካይዳ ዝነበራ።

ኣብ ኢትዮጵያ ዝነበራ ውድባት ኤርትራ፡ ዘሰማምዑ ነጥብታት’ኳ እንተነበርወን፡ ፍልልያት እውን ነይርወን እዩ። ካብቲ ከም ቀንዲ ድኽመተን ዝውሰድ ከኣ፡ ነቲ ዝነበረን ዕድል ተጠቒመን፡ ፍልልያተን ኣመሓዲረን ኣብቲ ዘሰማምዕን ኣትኪለን ሰጒመን ከድመዓ ዘይምቀዐን እዩ። እዘን ውደባታት ኣብ ኢትዮጵያ ኣብ ዝነበራሉ ብርኢቶን ሓሳብን ካብ ምውድዳር ሓሊፈን፡ ብዓይኒ ጽልኢ ተረኣእየን፡ እቲ ሓደ ነቲ ካልእ ካብ ናይ ቃልሲ መድረኽ ናይ ምውጋድ ሕልና ኣይነበረንን።

መንግስቲ ኢትዮጵያ እውን ብወግዒ ነተን ውድባት ብሓደ ዓይኒ ካብ ምርኣይን ኣድላይ ኣብ ዝኾነሉ ካብ ምምካርን ሓሊፉ፡ ብዘይካቲ ኣብ 1994 ዝተራእየ ምእሳር ኣባላት ተሓኤ ሰውራዊ ባይቶን ኣብ 1998 ዘጋጠመ ተመሳሳሊ ስጉምቲ ኣብ ልዕሊ ኣባላት ሰውራዊ ባይቶን ካለኦት ውዳበትን፡ ነቲ ሓደ ክሰጉግን ከግልልን ነቲ ካልእ ድማ፡ ብርኡይ ዝሓብሓብሉ ተመኩሮ ኣይነበረን። ውድባት  ቅርበተን ምስቲ መንግስቲ ዝተፈላለየ ደረጃ ከም ዝነበሮ ግና ዘይክሓድ እዩ።  

ኣብዚ እዋን’ዚ ገለ ናይቲ ኣብ ኢትዮጵያ ክንቀሳቐስ ዝደሊ ዘሎ ኣካል  ደገፍቲ ኢና በሃልቲ፡ ኣብ ናይ ማሕበራዊ መራኸቢታት  “ቅድሚ ሕጂ ደም ንጹህ ዝፈሰሳ ሃገር፡ መጻወቲ በጋሚዶታት ደቂ ኣስመራ እንድያ ኮይና፡ ድሕሪ ሕጂ ከምኡ ዝበሃል የለን። ዘይተቓለሰ ዋላ ምሁር ይኹን ናብ ስልጣን ገጹ ኣይቀርብን እዩ። ….ዝኾነ ነዚ ግንባር ዘይድግፍ እንተኮይኑ፡ ውድብ ይሃሉ ኣይሃሉ፡ ካብ ኢትዮጵያ ንክወጽእ ዋላ ብመዲያ ክንጉስጉሰሉ ኣለና።….መንግስቲ ኢትዮጵያ ፈሪሙ ባይታ እንተሂቡና፡ ብጉልበትና፡ ብገንዘብናን ብሓሳብናን  ከነጥፈኦም ኣለና። ጸላእትና፡ ህግደፍ፡ ውድባት ኤርትራ፡ ህወሓትን ፋኖን እዮም” ዝብሉ ክለጣጥፉ እንከለዉ፡ ንህዝቢ ኤርትራ እንታይ ይመጾ ከም ዘሎ ዘጠንቅቖ ደወል እዩ።

ጉጅለ ህግደፍ ካብ ዝልለየሎም ብዙሓት ባህርያቱ፡ ኣብ ኤርትራ መሰል ምውዳብን ሓሳብካ ምግላጽን ምንፋግ ሓደ እዩ። ካብዚ ሓሊፉ ኣብ ጐረባብቲ ሃገራት እውን ካብቲ ናቱ ዝተፈልየ ርኢቶ ኣለዎም ንዝብሎም ተቓወምቱ ናይ ምውዳብ ዕድል ከምዘይረኽቡ ምግባር እዩ። ምስ ጐረባብቲ ሃገራት ዝምድና ክምስርት እንከሎ፡ ካብ ዝሓቶም ቅድመ-ኩነታት ከኣ“ንተቓወምተይ ኣረክቡኒ ወይ ድማ ካብ ሃገርኩም ስጐጉለይ” ዝብል ቅድሚት ይስራዕ። ካብዚ ስግኣትን ጽበትን ብምንቃል ናይቲ ጉጅለ ስግረ ዶባዊ ቀንጻሊ ጉጅለ ምስ ናይተን ዝነብሩለን ሃገራት ሓለፍቲ ብምትሕብባር፡ ኣብ ሱዳንን ኢትዮጵያን ዝተቐንጸሉን ተጨውዮም ሃለዋቶም ዘይፍለጥን ኤርትራውያን ተቓለስቲ ታሪኽ ዝርሰዖም ኣይኮኑን።

ምስ ናይ ህግደፍ ብዝመሳሰል በሓቲ ኣካይዳ፡  “ኢትዮጵያ ነዓና ሓላል፡ ንኻለኦት ግና ሓራም”  ዝብል ስሰዐ ይቀላቐል ምህላዉ፡ “ከይጸመደ ኣንጐደ” ወይ “ካብ ሕጂ ዝነቀወ ዝብእስ ኣየሕድረናን” ዘብል እዩ። እዚ  እቲ “ኤርትራ ናይቶም ንህግደፍ ዘገልግሉ ጥራይ እያ” ዝብል ስሰዐን ብደዐን ከይደግም ዘሰክፍ ብምዃኑ፡ ህዝቢ ኤርትራ ብዓንተቦ ኣስተብሂሉ ክቃለሶን ዝጽበዮ ዘሎ ዕማም እዩ። 

 

ሲቪላውን ወተሃደራውን ላዕለዎት ሰብ መዚ ኢትዮጵያ፡ ኣብ ዘዝረኸብዎ ኣጋጣሚታት ብዘየወላውል “ወደብ ንምጥቃም ዘይኮነ፡ ኣፍደገ ባሕርን ወደብን ኤርትራ ንምውንን ኣብኡ መደበር ሓይሊ ባሕሪ ንምህናጽን ኢና ንደሊ”፡ ክብሉ ክስምዑ ጸኒሖም። ነዚ ኣብ ግብሪ ንምውዓል ድማ መንግስቲ ኤርትራ ፈትዩ እንተዘይሂቡና ብዝኾነ መንግዲ  ከነተግብሮ ኢና ካብ ዝብሉ፣ ክልተ ዓመታት ኮይኑ ኣሎ። እዚ ተድሚሩ ከኣ “ኣብ መንጎ ኤርትራን ኢትዮጵያ ውግእ ምኽፋቱ ዘይተርፍዩ” ዝብል ኣብ ብዙሓት ስግኣት ፈጢሩ  ኣሎ። 

ኣብዚ ቀረባ እዋን ከኣ ቃና መንግስቲ ኢትዮጵያ ዝተቐየረ ዘምስሉ ምልክታት ይስምዑ ኣለዉ። ብዙሓት ምንጭታት “ካብ እሙናትና ዝረኸብናዮ” እናበሉ፡ “ብመሰረት ቀዳማይ ሚኒስተር ኢትዮጵያ ብዘቕረቦ ወኸሳ፡ ፕረሲደንት  ኬንያ ኣብ መንጎ ኤርትራን ኢትዮጵያን ውእግ ቅድሚ ምኽፋቱ ክልቲኦም ወገናት ንምሽምጋል፡ ሙርዲን ሃጂ ዝተባህለ ዳይረክተር ሃገራዊ ስለያን ኣገልግሎት ጸጥታን ኬንያ መዚዙ’ሎ።” ዝብል ዜና ይወናጨፍ ኣሎ። ብደሕሪ ተበግሶ ኬንያ ኣሜሪካ’ላ ዝብሉ እውን ኣይተሳእኑን።

ኣብ ርእሲዚ ኤርትራዊ ጸሓፍን ተመራማርን፡ ዶር መሓመድ ኬር ዑመር፡ ኒው ላይን (new line)  ኣብ ዝተባህለ ሰፊሕ ዝርጋሖ ዘለዎ መጽሐት ኣብ ዘስፈሮ  ጽሑፍ፡ ስሙ ንዘይገለጾ ኢትዮጵያዊ ጡረተኛ ጀነራል ጠቒሱ፡ ኣብይ ኣንጻር ኤርትራ ውግእ ዘየካይደሉ ዝበሎ ሰለስተ ምኽንያትታ ኣስፊሩ’ሎ። እቶም ምኽንያታት፡ 1ይ፡ መንግስቲ ኢትዮጵያ ኣብ  ዘቤታዊ ፖለቲካዊ ወጥሪ እዩ ዘሎ። ሰራዊቱ ከኣ ኣብ ውግእ ክልላት ኣምሓራን ኦሮሞን ተጸሚዱ  ይርከብ። ኣብተን ክልላት መብዛሕትኡ ቦታታት ካብ ምቁጽጻር መንግስቲ ወጻኢ እዩ ዘሎ። 2ይ፡ ዝኾነ ውግእ ናብ ኣዲስ ኣበባ ምስ ዝቐርብ ህዝባዊ ተቓውሞ ዝዕድም ክኸውን ይኽእል’ዩ። ኢሳያስ ኣፈወርቂ ከኣ ነቲ ከጋጥም ዝኽእል ሃጓፍ መዝሚዙ፡ ምስ ሓይልታት  ፋኖ፡ ትግራይን፡ ኦሮሞን ዝኣመሰሉ  ኣብ ፈደራል መንግስቲ ዕግበት ዘየብሎም ወገናት ስልታዊ ዝምድና ክፈጥር ይኽእል’ዩ። 3ይ፡  ከባቢ ቀይሕ ባሕሪ፡ ከም ሳዑዲ ዓረቢያ፡ ግብጺ፡ ኤመረይትን ሱዳንን ዝኣመሰሉ ጽልዋ ዘሕድሩ መንግስታት ብጻዕቂ ዝንቀሳቐስሉ እዩ። ኢሳያስ ከኣ “ነዚ ብግቡእ ዝጽበዮን ዝሃርፎን እዩ”  ክብል ዘስፈሮ ኣሎ።  

ብላዕለዎት ሰብ መዚ ኢትዮጵያ እውን ካብቲ ብኣብይን ጀነራላቱን ክበሃል ዝጸንሐ ፈኸራ’ኳ መሊኡ ዝተላቐቐ እንተዘይኮነ፡ ግብረመልሲ ናይቲ ብሕብረተሰብ ዓለም ክንጸግ ዝጸንሐ ሃላሊ ኣካይዳኦም ብዝመስል ምስልኻ ንምዕራይ ዝቕርብዎ ኣሎ። ወጻኢ ጉዳይ ሚኒስተር ኢትዮጵያ  ዶር ጌደዎን ጢሜተዎስ፡ ብ12 ሕዳር 2025 ዩኒቨርሲቲ ኣዲስ ኣበባን ሆርን ረቪው ዝተባህለ መርበብን ብሓባር ኣብ ዘዳለዉዎ ዓውደ መጽናዕቲ “ኢትዮጵያን ኤርትራን ተመሳሳሊ ህዝቢ ዘለወን ክልተ ሃገራት እየን። ህዝቢ ክልቲአን ሃገራት ብባህሊ፡ ታሪኽን መነባብሮን ዝመሳሳል ኮይኑ፡ ኣብ ገለ ገለ ጉዳያትስ ክትፈላልዎ’ውን ዘይከኣል እዩ። እዚ ክበሃል እንከሎ ግና ኢትዮጵያን ኤርትራን ነናተን መንግስትን ህዝብን ዘለወን ጐረባብቲ ሃገራት ምዃነን ብምኽሓድ ኣይኮነን።”  ኢሉ። ንብምልኡ ህዝቢ ኤርትራ ምስ ህዝቢ ኤርትራ ብዙሕነቱ ብዘይምርዳእ ከመሳስሎ ዝኸዶ ሸፈጥ ኣብ ግምት ዝኣቱ ኮይኑ፡ ኤርትራ ልኡላዊት ጐረቤት ኢትዮጵያ ምዃና ኣድሚቑ ምግላጹ ግና  ኣብ ባይታ ንዘሎ ሓቂ ዘንጸባርቕ እዩ።

ዶር ጌደዎን እዚ ጥራይ ኣይኮነን ኢሉ። “ሃገራዊ ረብሓታት ኢትዮጵያን ኤርትራን ከምኡ እውን ናይ ካለኦት ሃገራት ናይዚ ዞባ፡ ብናይ ሰዓርን-ሰዓርን (win-win) ቁጠባዊ ምውህሃድ ዝረጋገጽ ኮይኑ፡ ናይ ሕድሕደን ጸጥታዊ ዘይምቕሳን ከኣ ናይ ነዊሕ ግዜ ምትእምማን ብዝፈጥር ትካላዊ ቁጠባዊ ምትሕብባር እዩ ዝወሓስ፡…….. ሕብረተሰብ ዓለም መንግስቲ ኤርትራ ካብ ተኹታዂ ተግባሩን ኢድ ኣእታውነቱ ኣብ ጉዳይ ኢትዮጵያን ንኽቁጠብ፡ ኣብ ክንድኡ ኣብ ናይ ጽቡቕ መንፈስ ዘተ ክኣምን ተጽዕኖኡ ንከሕይል ናብ ሕብረተሰብ ዓለም ንጽውዕ።” ዝበሎ እውን ኣሎ። ኣብዚ “እቲ ዘተ ብዛዓባ ምንታይ እዩ ክኸውን?” ዝብል ሕቶ ብጽሞና ክለዓል ናይ ግድን እዩ። ኤምባሲታት ኢትዮጵያ ኣብ ሃገራት ቻይና፡ ደቡብ ኣፍሪቃ፡ ጃፓንን ካለኦት ሃገራትን ብወገነን ነቲ ናይ ወጻኢ ጉዳይ ሚኒስተር ጌደዎን ጢሜተዎስ፡  ጽሑፍ ዝድርዕ፡  ሓሳባት ከቃልሓ ይስማዕ ምህላወን ብዙሓት መዲያታት ዝዝርግሐኦ ዘለዋ እዩ።

ኣቶ ጌታቸው ረዳ ካሕሳይ፡  ኣማኻሪ ቀዳማይ ሚኒስተር ኣብይ ኣሕመድ  ኣብ ጉዳያት ቀርኒ ኣፍሪቃ ብወገኑ፡ ብ13 ሕዳር 2025 ኣብ ለንደን ማህዲ ሓሰን ምስ ዝተባህለ ጋዜጠኛ ኣልጀዚራ  ኣብ ዝገበሮ ሰፊሕ ቃለ መጠይቕ፡ “ኣብ መንጎ ኢትዮጵያን ኤርትራን ውግእ ኣይክካየደን እዩ ፡ ምኽንያቱ ክልቲኦም ወገናት ሳዕቤን ውግእ እንታይ ከም ዝኾነ ስለ ዝርድኡ” ክብል ዝገለጾ  ካልእ ኣብ ግምት ዝኣቱ እዩ።

እዚ “ልዝብ ዝበለ ዝመስል” ኣበሃህላ ኢትዮጵያዊ ወገናት፡ ኣፍካ መሊእካ  “ካብቲ ክብልዎ ዝጸንሑ  ልኡላውነት ኤርትራ ብሓይሊ ናይ ምግሃስ ሃቐነ”  ወጺኦም ዘብል ዘይኮነ፡ ሜላ  ይቕይሩ ኣለዉ ክትብሎ እዩ ዝቐልል። ምኽንያቱ እዚ ሓድሽ ቃና፡ ኣብይ ኣሕመድ ዘቕረቦ ሕቶ ምውናን ኣፍደገ ባሕሪ፡  ኣብ ቤት ምኽሪ ጸጥታ ሕቡራት ሃገራት በተን ወሰንቲ ኣህጉኣዊ ሓይልታት  ብ11 ሕዳር 2025 ምንጻጉ ተኸቲሉ ዝመጽእ ዘሎ ብምዃኑ። 

እዚ መንግስቲ ብልጽግና ናይ ኣቀራርባ ኣገባብ ቀይሩ፡ ናብ ወጻኢ ዘቃልሖ መልእኽቲ ደላይ ሰላም ዘምስል፡ ናብ ህዝቢ ኢትዮጵያ ዝዝርግሖ ምልዕዓል ከኣ  ውግእ ዝዕድም ምዃኑ  ዘመልክት እዩ። ስለዚ ህዝቢ ኢትዮጵያ ነቲ ንዘይረብሓኡ መልክዕ እንዳቐያየርካ ዝመሃዝ ዘሎ ኣካይዳ ዝያዳ ኩሉ ግዜ ከቕልበሉ  ይግበኦ፡  መልእኽትና እዩ።

ንሃገር፡ ሃገር ካብ ዘብሉ መሰረታዊ ረቛሕታት፡ “1ይ ክልሉን ጐረባብቱን ዝተነጸረ ጀኦግራፊያዊ ከባቢ፡ 2ይ ናይ ሓባር ባህርን ስነልቦናዊ ስምዒትን ዝውንን ህዝቢ፡ 2ይ ብዘይ  ኢድ ኣእታውነት ንገዛእ ርእስኻ እተመሓድረሉ  ልኡላዊ ተፈላጥነት፡ 4ይ ዕላዊ ኣህጉራዊ ዝምድናታት ከመስርት ዝኽእል  ብቕዓት” ዝብሉ ካብቶም ቅድሚት ዝስርዑ መለለይታት እዮም።  ኤርትራ ከኣ ነዞም ረቑሕታትን ካለኦት ንዓቶም ዘራጐዱ መዕቀንታትን እተማልእ ኣብ ሕቡራት ሃገራት መበል 182 ኮይና ዝተመዝገበት ሃገር እያ።

ብዛዕባ  ምግላጽ ፍቕሪ ሃገርን ሃገርነትን ክለዓል እንከሎ፡ ነዞም ረቛሕታት ብምልኣት ብዝሓቖፈ እምበር፡ ንሓደ ካብዞም መለክዕታት ሃገርነት ቆንጢርካ ብምውሳድ ኣይኮነን። ኣብዚ እዋንዚ ብሰንክ’ቲ ብኢትዮጵያ ኣንጻር ልኡላውነት ኤርትራ ዝናፈስ ዘሎ ዓመጸኛ ህቦቡላ፡ ተደጋጊሞም ክለዓሉ እንሰምዖምን እነንብቦምን  “ህዝብን ልኡላውነትን” ዝብሉ ኣገደስቲ ኣምራት እዮም። “ህዝቢ” ሃገር ካብ ዘቑሙ ወሰንቲ ረቛሕታት ሓደ ክኸውን እንከሎ፡ ልኡላውነት ከኣ ውሁድ ውጽኢት ናይቶም መሰረታዊ ረቛሕታት እዩ። ስለዚ ህዝብን ልኡላውነት ሃገርን ፈላሊኻ፡ “እቲ ይጽናሕ እቲ ይቐጽል” ዝበሃሉ ዘይኮኑ፡ ሓደ ብዘይካ’ቲ ካልእ ትርጉምን ህልውናን ዘይብሎም እዮም። ካብዚ ብምንቃል ኢና ከኣ፡ “ናይ  ሓደ ነገር ክልተ ገጻት  እዮም” እንብሎም ።

ኣብዚ ንርከበሉ ዘለና ውዑይ ፖለቲካዊ ሃዋህው ኤርትራ፡ ሓሓሊፉ “ንህዝቢ እምበር፡ ሃገርን ልኡላውነትን ብዝብል ምእንቲ ሩባን ኩርባን ኣይንቃለስን ኢና” ዝብሉ ድምጽታት ይስምዑ እዮም። እቲ ዘገርም “ንልኡላውነተይ’ውን ክቃለስ እየ”  ምባል ዘጽርፍን ዘነኣእስን ዝኾነሉ ግርምቢጥ ኮይኑ’ውን ይስማዕ እዩ።  እንተኾነ ነቶም ከምኡ ዝብሉ፡ “ልኡላዊ መሬታ፡ ባሕራን ኣየራን ዘውሓሰት ሃገር እንተዘይሃልይዎ ደኣ፡ እቲ ይቃለሰልካ ኣለኹ ዝብሃል ዘሎ ህዝቢ፡ ነቲ ፍረ ቃልሲ ደኣ ኣበይ ኮይኑ እዩ ከስተማቕሮ?” ናይ ዝብል ሕቶ ዕቱብ መልሲ የብሎምን።

በቲ ካልእ ወገን ንወሳኒ ግደን መሰልን ህዝቢ ክብደት ብዘይምሃብ፡ ኣብ ጥርሕ ጎልጎል ብጥሪኡ “ኣነ ንሃገረይ ኣለኹላ ባዕለይ” ክብል ዝስማዕ ካልእ ጫፍ ኣሎ። ነዞም ከምዚ ዝኣመሰለ ዘይምዕሩይ ዝንባለታት ዘለዎም ወገናት “ጸጋታታ ዘስተማቕርን ብኽብራ ተሓቢኑ ዝሕልዋን ዝሃንጻን  ህዝቢ ዘየብላ ሃገርከ ደኣ ኣበይ ክትበጽሕ ትኽእል?” ክበሃሉ እንከለዉ እውን መልሶም ምሉእን ዝጭበጥን ከምዘይከውን ርዱእ እዩ።

እምበኣር ከምቲ “ለኣሎ ላሎ፡ ላኣሎ፡ ላሎ፡  ውደባት ዓደይ ይረኣየኒ’ሎ” ብእትብል ፈላሚት ዜማኡ ዝፍለጥ፡ ግኑን ስነ-ጥበባዊ ነፍሰሄር የማነ ገብረሚካኤል (ባርያ)፡ “ሃገራይ ዝበለ ተኸቢሩ ይነብር፡ ሓወልቲ ገዲፉ ኣብ ገነት ይሰፍር…..”፡ ዝበሎ ኣዝዩ ዓሚቕ ዝትርጉሙ መልእኽቲ ክዝንጋዕ ዘይብሉ እዩ። “ውይዛ ተፈታዊት ሃገረይ ኤርትራ ክስወኣላ’የ ንኽትወጽእ ሓራ” እትብል ዜማ ስዉእ ሓርበኛ ኢዮብ ሃይለ’ውን፡ ካብዚ ዝተፈየ ትርጉም የብላን።

ኤርትራውያን ንሃገሮም ብመዕቀኒ እታ ልዕሊ ኩሉ እትፍቶን እትኽበርን ኣደ መሲሎም፡ ተቓሊሶም ዝተሰዉኡላ ከኣ ከምቲ “ህዝቢ እምበር ልኡላውነት ሃገር ኣይምልከተንን” ክበሃል ንሰምዖ ዘለና፡ ካብቲ ረቛሒታት ንሓደ ቆንጢርካ ብምውሳድ ስለ ዝኾነ፡ ብኣንጻሩ እቲ ክኽበር ዝግበኦ መሬታን ህዝባን ማለት ምሉእ ልኡላዊ ክብራ ክኸውን ይግበኦ።

“ንልኡላውነት ሃገር ንሕለቕ” ክበሃል እንከሎ፡ ምእንቲ ህዝቢ ምሕላቕን ምብጃውን’ውን ኣብኡ ዝሕቆፍ እምበር ዝተዘንገዐ ኣይኮነን። ኣብ ታሪኽና ሓይሊ መግዛእቲ “ኤርትራ መሬታ እምበር ህዝባ ኣየድልየናን” ዝበሎ ኣብ ጸሊም መዝገብ ታሪኽ ዝተምዝገበ’ኮ፡ ሃገርን ህዝባን በታቲኖም  ከባድምዋ ብምሕላኖም እዩ። ዓድታት ኤርትራ ዘንድዱ ዝነበሩ እውን ዕላማኡ ህዝቢ መረበት ስኢኑ ሃጽ ኢሉ ንክስደድ እዩ ነይሩ።

“ሎሚ ኤርትራ’ኮ ልኡላውነታ ብሰንኪ ኢሳያስ  ተደፊሩ እዩ፡  ልኡላዊት ሃገር ክትባሃል ኣይትኽእልን እያ፡ ኣብዚ ሓደ ብምውዳቓ ዝሕተት ከኣ መላኺ ኢሳያስ ኣፈወርቂ እዩ።” ዝብል ድምጺ በብኹርናዑ ኣብ ማሕበራዊ መዲያ ክገማዳሕ ይስማዕ እዩ። እዚ ካብቲ ኢሳያስ ኣብ ፈቐዶ መድረኻት ክምድር እንከሎ፡ ንሓንሳብ “ምስ ኢትዮጵያ ተደሚርና ኢና”  ንሓንሳብ ድማ ካብቲ ኣብ ልኡላውነት ካለኦት ሃገራት ኢዱ እንዳእተወ ዝዘርጎ ዘሎ፡ “ልኡላውነት ኤርትራ ንክድፈር ኣፍደገ ዝኸፍት ዘሎ  ባዕሉ እዩ፡ በዚ ድማ ባዕሉ እዩ ዝሕተተሉ” ካብ ዝብል ዝብገስ ቁጠዐ ምዃኑ ንምግማቱ ዘጸግም ኣይኮነን።

እቲ መፍትሒ ግና “ኢሳያስ’ዩ ዝሕርተሉ ስለዝኾነ፡ ልኡላውነት ባዕሉ ይፈልጥ” ኢልካ ነቲ ንሱ ዝተኸተሎ ግጉይ መንገዲ ብዝገደደ መልክዑ ምድጋሙ ኣይኮነን። ኣብ ክንድኡ፡ በቲ ሓደ ወገን ንዘይሓላፍነታዊ ኣካይዳ ኢሳያስ እናወገዝካን እናቃላዕካን ብምቅላሱ፡ ጐኒንጐኑ ድማ ነቶም ኣንጻሩ ጉጅለ ህግደፍ ሕነ ክፈድዩ ክብሉ፡ ኣንጻር ልኡናውነት ኤርትራን ህዝባን ዝመጣጠሩ ዘለዉ ኣካላት እቲ ግጉይ መንገዶም  ኣይኮነንዶ ንህዝቢ ኤርትራ ነቲ ህዝብና ዝብልዎ ኢትዮጵያዊ እውን ከምዘየርብሕ ደጋጊምካ ብምንጋሮምን ተቓውሞኻ ምቅላሕን  ምቕጻልዩን እዩ።

“ህግደፍ ደኣ ይውደቐልና እምበር፡ ድሕሪኡስ ባዕሉ ይፈልጥ” ዝብል ዘይሓላፍነታዊ ኣበሃህላ፡ ካልእ ብገለ ኤርትራውያን ዝቃላሕ ንውሕ ዝበለ ዕድመ ዘለዎ፡ ኣብ ሎሚ ኮይኑ ንናይ ጽባሕ ውሑስ መጻኢ ዘየማዕዱ  ርኢቶ እዩ። ምስዚ ብዝመሳሰል ምስቲ መሬት ኤርትራ ብዓመጽ ከም ዝወስድ ደጋጊሙ ዝእውጅ ዘሎ ኣካል ምምሕዛው፡ ኢድ ኣእታውነት ምትብባዕ ስለ ዝኸውን ዘይተባባዕ ጥራይ ዘይኮነ፡ ብዓንተቦ “ኣይፋል” ክበሃል  ዘለዎ እዩ።  እቲ ሰላም፡ ዲሞክራስን ልምዓትን ተሓሪምዎ ሃንቀው ክብል ዝጸንሐን ዘሎን ህዝቢ ኤርትራ “ኣብ ዝተቆራረመት ሃገርን ኣብ ትሕቲ ብዛዕባኡ ዘይግደስ ሓይልን  ከነርህዎ እዩ”  ዝብል  ተረድኦ እንተልዩ ከኣ ካልእ ግጉይን ዘይግብራውን ተረደኦ እዩ።

 ስለዚ ኣብ ክንዲ ብዛዕባ “ሃገር ንዘየብሉ ህዝቢ” ወይ “ህዝቢ ንዘየብላ ሃገር” ንምፍጣር ካብ ምሕሳብ፡ ከምቲ “ህዝብን ሃገርን ናይ ሓደ ነገር ዘይነጻጸሉ ክልተ ገጻት እዮም” ዝበልናዮ ቃልስና ንኹለ-መዳያዊ ልኡላውነት ኤርትራ  ክኸውን እንከሎ ጥራይ እዩ እቲ መዋጸኦ።

እዚ ዘለናሉ ዘበን  ዓለማውነት (globalization)፡ ዓለምና ከም ሓንቲ ስድራቤት ተቐራሪባ ከም ዘላ ዘርኢ ምዕባለ እዩ። ነቲ ዝጸንሐ ምርሕሓቕ ኣብ ምቅርራብ ግደ ዘመናዊ ማሕበራዊ መራኸብታት ክሳብ ክንደይ ዝለዓለ ምዃኑ ንነብረሉ ዘለና ህይወት’ዩ። እዚ ዕቤት ብመስርሕ ዝመጸን እወንታውን ኣሉታውን ገጻት ዘለዉዎን ተርእዮ እዩ። “ምፍጣር ሓደ ሕብረተሰብ፡ ንናይ ሓባር ጸገም ናይ ሓባር መፍትሒ ኣስተዋጸኦ ምብርካት፡ ናይ ሃገራት ሃናጺ ውድድር ንማሕበረ-ቁጠባዊ ዕቤት ምትብባዕ …..ወዘተ” ካብቶም ብእወንታ ዝግለጹ ገጻት እዮም።  “ምትብባዕ ቁጠባዊ ገባትነትን በሓትነትን፡ ምድኻም ትካላዊ ኣሰራርሓን    …..ወዘተ” ከኣ ኣሉታዊ ጐኒ ናይቲ ተርእዮ ተባሂሎም ካብ ዝጥቀሱ እዮም።

ጽልዋ ዓለማውነት ኣብ ሓደ ውሱን መዳይ ዝድረት ዘይኮነ፡ ንኹሉ መልክዓት እዩ ዝጸልው። እቲ ዝያዳ ጐሊሑ ዝረአ ዘሎ ጽልዋኡ ግና ኣብ መዳያት ቁጠባ፡ ፖለቲካን  ተክኖሎጂካዊ ዕቤትን ዝንጸባረቕ እዩ። ናይዚ ግብራዊ መግለጺ ካብ ዝኾኑ ከኣ፡ ኣብ ዲፕሎማሲያዊ ዝምድናን ፖለቲካዊ ኣሰላልፋ ሓይልታትን ዝምዕብሉ ዘለዉ ውድድራት እዮም።  በመንጽር’ዚ ከምቲ ሓንቲ ሃገር በይና  ቁጠባዊ ዕቤት ከተመዝግብን ጸጥተኣ ከተውሕስን ዘይትኽእል፡ በይና እተካይዶ ፖለቲካውን ዲፕሎማሲያዊ ዝምድናን’ውን ኣይረአን። ምስዚ ብዝተተሓሓዘ ኣብ መንጎ ክልተ ሃገራት ምስሕሓብ ክፍጠር እንከሎ፡ ኣብተን ቀጥታዊ ሰብ ዋኒን ዝኾና ሃገራት ዝድረት ዘይኮነ፡ ብድሕሪ ነፍሲ ወከፈን ዝሰለፉ፡ ነናቶም  ሕሳባት ዘለዎም ሓይልታት እውን ዘሰንይዎ። ኣብዚ እዋንዚ ኣብ መንጎ ኤርትራን ኢትዮጵያን ይረአ ኣብ ዘሎ ምውጣጥ ዘሰልፍዎም ዘለዉ ናይ ርሑቕን ቀረባን ሓይልታትን ከኣ ካብዚ ዝተፈልየ ባህርን ተልእኮን የብሉን።

ብዛዕባ ህልዊ ወጥሪ ኤርትራን ኢትዮጵያን ክለዓል እንከሎ፡ ዝያዳ ካብ ዝዝውተሩ ሕቶታት “ነፍሲ ወከፎም ንመን ኣብ ጐኖም ኣሰሊፎም ኣለዉ?” ዝብል ምዃኑ እንዕዘቦ ዘለና እዩ። ምስዚ ብዝተዛመደ፡ ኣስማተን ካብ ዝለዓል ጸለውቲ ትካላትን ሃገራትን፡ ሩሲያ፡ ኣሜሪካ፡ ቻይና፡ ኢራን፡ ህንዲ፡ ህብረት ኤውሮጳን ሕብረት ኣፍሪቃን እንዳበልካ ዝቐርብ ሓፈሻዊ ዝርዝር ኣሎ። ብፍላይ  ግብጺ፡ ሱዕድያን ሱዳንን ደገፍቲ ኤርትራ፡  ሕቡራት ኢማራት ዓረብ ከኣ፡ ደጋፊት ኢትዮጵያ ጌርካ ምጥቃስ እምብዛ ልሙድን ርኡይን ኮይኑ ኣሎ። ኣብዚ እተን ዝድግፋ ኮና ዝቃወማ ሃገራት፡ ነናተን ረብሓ ዘማዕድዋ ኮይነን፡ እቲ ውግእ ኣብ ሜዳአን ኣብ ክንዲ ዝካየድ፡ ስግረ-ዶባዊ መልክዕ ንምትሓዝ፡ ንኻለኦት ዘዕጥቓን ዘስንቓን እምበር፡ ንህዝብታት ኤርትራ ኢትዮጵያን ዝሓልያ  ዘይምዃነን ብተመኩሮታት ዘረጋገጾ እዩ።

ግብጺ ኣብ ጐኒ ኤርትራ እትስለፈሉ ቀንዲ ምኽንያት፡ እቲ ምስ ኢትዮጵያ ብጉዳይ ፈለግ ኒል ዘለዋ ነዊሕ ዝዕድመኡ ምስሕሓብ ምዃኑ ናይ ኣደባባይ ምስጢር’ዩ። ሱዕድ ዓረቢያ ከኣ ኣብ ጉዳይ ቀይሕ ባሕሪ ምስ ሕቡራት ዓረብ ኢማራት ብዘለዋ ሕዱር ናይ ውድድር ኣጀንዳ እያ ላዕልን ታሕትን እትብል። ሱዳን ከኣ ኣብቲ ካብ ማዝያ 2023 ጀሚሩ ዝካየድ ዘሎ ሓደገኛ ውግእ ሕድሕድ ናይ ኤርትራ ሓገዝ ክፍለያ ስለ ዘይትደሊ እያ።

ኢማራት ንኢትዮጵያ ትሕዝግዘሉ ዘላ ነብሱ ዝኸኣለ፡ ዝርዝር ዘለዎ እዩ። ቅድሚ ሕጂ ኣብ ቀይሕ ባሕሪ ግዲኣ ንምዕዛዝ ምስ ጅቡቲ ስምምዕ ገይራ ነይራ። እንተኾነ ብዙሕ ከይቀጸለ ስለ ዝፈረሰ  ኣይቀሰነትን። ድሕሪኡ ምስ ኤርትራ ተሰማሚዓ ኣብ ገማግም ባሕሪ ኤርትራ፡ ከባቢ ወደብ ዓሰብ ወተሃደራዊ መደበር ሃኒጻ ከተብቅዕ ኣይቀጸለን። ሎሚ ከኣ ንኢትዮጵያ ደጊፋ  ገማግም ባሕሪ ኤርትራ ከም እትውንን ከተኽላ እሞ፡ ድሕሪኡ ኣብቲ ከባቢ  ካልእ መዋስኢ ቦታ ክትረክብ  ሃሰስ ትብል ከም ዘላ ናይ ብዙሓት ነቲ ኩነታት ብቐረባ ዝከታተልዎ ሚዛን ኮይኑ’ሎ።

 ኣብ ብዙሓት ኣጋጣምታት፡ እንተደኣ ውግእ ተኸፊቱ፡ ናይ “መን ኮን ይስዕር ምናልባታት?” ክለዓል ይስማዕ እዩ። እቶም ምናልባታት ኣብ ህልዊ ወተሃደራዊ ሓይሊ፡ ዲፕሎማሲያዊ ደገፋትን ብዝሒ ህዝብን ወሰንቲ ኮይኖም ክቐርቡ ይስምዑ እዮም። ፈደራላዊ መንግስቲ ኢትዮጵያ ናይ ምዕዋተይ ዋሕስ ኢሉ ደጋጊሙ ካብ ዘቕርቦም እውን እዞም ዝተጠቕሱ ቅድሚት ዝሰርዑ እዮም። እቲ ወሳኒ ናይ ኤርትራ ልኡላዊ ሃገራውነት ዝተሰረተሉ ጽኑዕ ዕርዲ፡ ታሪኻዊ፡ ፖለቲካውን ኣህጉራዊ ሕግታትን ክነሱ፡ ክጥሕስዎ ዝደናደኑ ካብ መንግስቲ ኢትዮጵያ ጀሚርካ ዝስርዑ ወገናት ብዙሓት እዮም። እንተኾነ ክሳራ ደኣ የኸትል ይኸውን እምበር፡ ዝመጸ እንተመጸ፡ “ካብ ሓቁ ስለ ዘይሓልፍ”፡ ሕግን ስርዓትን ኣጽኒዕካ ብምሓዝ ቀጻልነት ኤርትራዊ ሃገርነትን ልኡላውነትን ሰዓራይ ከም ዝኸውን ናይ ግድን እዩ።

እዚ ብኢትዮጵያ ዝስማዕ ዘሎ፡ “ዓሰብ ናይ ኤርትራ ኮይና ኣይትፈልጥን ወይ ንዓሰብ ብዘይኣገባብ ኢና ስኢናያ” ዝማእከሉ ስንኩፍ  ናይ ታሪኽ ሕንቅልሕንቅሊተይ ኣብ መንጎ ኤርትራን ኢትዮጵያን ክለዓል ሎሚ ናይ መጀመርታኡ ዘይኮነ፡ ቅድሚ ሕጂ’ውን ተፈቲኑ ዝፈሸለ እዩ።  እቲ እዋንን እቶም ተሰለፍትን ደኣ ተቐይሮም እምበር፡ ኣብቲ ናይ 30 ዓመታት መሪር ቃልሲ ምእንቲ ነጻነት ብኢትዮጵያ ዝንዛሕ ዝነበረ ሓሶት እውን ብትሕዝቶኡ ካብዚ ሎሚ ንሰምዖ ዘለና ዝተፈልየ ኣይነበረን። እዚ ሎሚ “ኽንድዚ ዝኣክል ብዝሒ ህዝብን ስፍሓት መሬትን ሒዝና፡ ከመይ ኢልና ኣፍደገ ባሕሪ ንስእን?” ዝበሃል ዘሎ ጸላዕላዕ፡ ብትሕዝቶኡ ካብቲ ቅድሚ ነጻነት ኤርትራ “ኢትዮጵያ ብዘይኤርትራ ክሳዳ ከምዝተቆርጸት’ያ”፡  ዝበሃል ዝነበረ ግጉይ  ጐስጓስ ካብቲ  “ታሪኽሲ ንገዛእ ርእሱ ይደግም” ዝበሃል ፈሊኻ ዝረአ ኣይኮነን።

 “ኣብ መንጎ ክልቴን ሃገራት ውግእ ብግብሪ ክካየድ ድዩ?”  ዝብል ሕቶ ጋና ዕቱብ መልሲ ዘይረኸበ፡ የማነ ጸጋም ዝወናጨ ዘሎ ግምት እዩ። እቶም ኤርትራዊ ልኡላውነት ዝተሃንጸሉ መሰረት፡ ብክቱር ህርፋን ደፊእካ ከምዘይድፈር ዝርድኡ “ውግእ ዝካየደሉ ምኽኑይ መጎት ዘየለ” ዝብል ተረድኦ ኣለዎም። ነቲ መሰረት ዘየብሉ ኣብ ዘይጭበጥ ሃዋህው ዝሕንብስ ፈኸራን ዳንኬራን መንግስቲ ኢትዮጵያ ከም ሓቂ ዝወስዱ ግና፡  ውግእ ከም ዘይተርፍ” እዮም ዝእምቱ።

በዚ ኣጋጣሚ፡ ህዝቢ ኤርትራን ኢትዮጵያን፡ ውግእ ክሳራን ዕንወትን ብምኳኑ፡ ተላዒሉ ዘሎ ጉዳይ ብሓቂ ንልምዓትን ረብሓን ህዝቢ እንተዳኣ ኮይኑ፡ ብኣህጉራዊ ሕግን ውዑላትን ክኽምታእ ከምዝኽእል ተገንዚቡ፡  ናይ ውግእን ሳዕቤኑን ግዳይ ንኸይከውን ይኣክል ክብል ይግባእ። 

ኣብዘን ዝሓለፍ መዓልታት ፈደራላዊ መንግስቲ ኢትይጵያ ኣብ  5ይ  ዓመት ናይ ስራሕ ዕድሚኡ 6ይ  ኣኼባ ኣካይዱ ነይሩ። ኣብቲ ኣኼባ ካብዝተላዕለን ነዊሕ ግዜ ዝወሰደን ፈኸራ ዘይተፈልዮ መደረ ናብ ኤርትራ ዘተኮረ ነይሩ።   ካብ ዝሓለፈ ክልተ ዓመታት ጀሚሩ፡ ብኢትዮጵያ ናብ ኤርትራ ዝዓለመ ናይ ኣፍደገ ባሕሪ ተጠቃምነት ዘይኮነ፡ ናብ ዋንነት ዝተኮረ ሕቶ ኢዩ ከቕርብ ጸኒሑ። እዚ ሕቶ’ዚ ዓለምለኻዊ  ውዕላትን ስምምዓት ዝጥሕቕስ፡ ንህዝቢ ኢትዮጵያን ኤርትራን ናብ ዘይወጽዎ ዓዘቕትን ድኽነትን ዘእቱ’ውን ኢዩ።

ልዕሊ ኩሉ ከኣ ልኡላውነትን ክብርን ኣባል ውድብ ሕቡራት ሃገራት ናይ ዝኾነት ኤርትራ ዝግህስ ምዃኑ ብዙሓት ወገናት  ተገንዚበምዎ ‘ለዉ። ምግንዛብ ጥራይ ዘይኮነ፡ እቲ ኩነታት ካብ ክልቲአን ሃገራት ሓሊፉ ኣህጉራውን ዞባውን ዘይምርግጋእ ስለ ዘስዕብ፡ ካብዚ ሓደገኛ መንገዲ ንክእደብ ክምሕጸኑ ዝጸንሑን ዘለዉን ብዙሓት እዮም።

እንተኾነ ከምቲ “ትውሕጦ ተበልኩዋስ ትጐስሞ”  ዝበሃል፡ ቅጥዒ ዝሰኣነ ህርፋን መንግስቲ ኢትዮጵያ ክዛይድ እንተዘይኮይኑ ናብ ንቡር ክምለስ ኣይተራእየን። መንግስቲ ኢትዮጵያ ኣብ ክንዲ ነቲ ክወሃቦ ዝጸንሐ ምኽሪ ይኹን ምሕጽንታ ኣብ ግምት ብምእታው ሃዲኡ ዝምሓሳብ፡ ነቲ ፈኸራን ምፍርራሕን ይቕጽሎ ለሎ። እቲ በብግዜኡ  ዘቕርቦ  ዘሎ ጸብጺብካ ዝውዳእ’ኳ እንተዘይኮነ፡ ካብ ናይ ቀረባ ግዜ ሸንዳሕዳሑ  ኣብነት ምጥቃስ ይከኣል እዩ።

ቀዳማይ ሚኒስተር ኣብይ ኣሕመድ፡ ኣብ ናይ 28 ጥቅምቲ 2025 ውዕሎ ፓርላማ፡ “ወደብ ክንስእን ዝወሰነ ናይ ኢትዮጵያ ፓርላማ፡ ካቢነን ህዝብን የላን። ክንስእኖ 30 ዓመታት ዝወሰደልና  ክንመልሶ ክንድኡ ኣይክወስደልናን’ዩ። ኣብ ኣዲስ ኣበባ፡ ኣስመራን ዓሰብን ምስ ኢሳያስ ኣብ ኣብ ዝተራኸብናሉ፡ ዘልዓልኩሉ ብዛዕባ ዓሰብ እዩ። ንወደብ ዝምልከት ኣብ መጽሓፍ “መደመር” ኣስፊረ ንኢሳያስ ብመልክዕ ገጸ-በረከት ሂበዮ እየ። ኢትዮጵያ ተዓጽያ ከምዘይትነብር ሚልዮን ሚእታዊ  ርግጸኛ እየ። ከሰማምዑና ዝሓተትናዮም ዝተፈላለዩ መንግስታት ቅልጡፍ መልሲ ኣይሃቡናን። እንተኾነ ቀይሕ ባሕሪ ንኢትዮጵያ ኣይግበኣን’ዩ ዝብል ኣይሰማዕናን።’” ዝብል ርኢቶ ብምንጽብራቕ ልኡላውነት ኤርትራ ካብ ምግሃስ ንድሕሪት ከምዘይብል ነቲ ብጣቕዒት ዘሰነዮ ፓርላማ ቃል ኣትይሉ።

ሓለቓ ስታፍ ሰራዊት ኢትዮጵያ፡ ፊልድ ማርሻል ብርሃኑ ጁላ ገለልቻ ኣብ መበል 118 ዓመት ምምስራት ሰራዊት ኢትዮጵያ “ ሰላም፡ ልምዓትን ኣፍደገ ባሕርን የድልየና’ሎ። ነዚ ድማ ብቦሌ ወይ ብባሌ ከነረጋግጾ ኢና። 200 ሚልዮን ህዝቢ ብ2 ሚልዮን ኣይዕገትዩ” ክብል ተሰሚዑ። እቲ ቦሌን ባሌን ዝብል “ብሕጊ ይኹን ብሓይሊ” ዝብል ሓሳብ ንምንጽብራቕ ዝተጠቕመሉ ይመስል።

ኮርፖረሽን  መንገዲ ባቡር ኢትዮጵያ፡ ብ21 ጥቅምቲ 2025 ኣብ ዘቕረቦ መጻኢ ናይ ህንጸት ዓመታዊ ትልሙ፡ “ወደባት ሰሜን ኢትዮጵያ ዝኾና ምጽዋዕን ዓሰብን ምስ ወደብ ታጁራ ዘራኽብ 1.5 ቢልዮን ዶላር ወጻኢ ዝሓትትፕሮጀክት ሒዝና ኣለና” ዝብል ኣብ ትልሙ ከም ዘስፈረ፡ ኣብ ጋዜጣ ሪፖርተር ተሓቲሙ ተዘርጊሑ። ካብዚ ሓሊፉ ፈቐዶ ናይ ሰልፊ ብልጽግና መርበብ ሓበሬታን ማሕበራዊ መድያን ዝወናጨፉ ዘለዉ ጽሑፋት ተመሳሰልቲ  እዮም።

ብኣንጻር’ዚ ፈድራላዊ መንግስቲ ኢትዮጵያ ኣልዒልዎ ዘሎ ዛዕባ፡ “ኣህጉራዊ ሕግታትን ልኡላውነት ኤርትራን ስለ ዝግህስ፡ ብዝሓለፉ መንግስታት ኢትዮጵያ ዝተፈጸሙ ጌጋታት ከይድገሙ ደኣ ትመሃረሎም እምበር፡ ተመሊስካ ከተፍርሶ ስል ዘይከኣል፡ ኢትዮጵያ ኣፍደገ ባሕሪ ክትጥቀም እትኽእለሉ ብዘተን እንካን ሃባን ምስ ጐረባብታ ሃገራት  ዝረጋገጽ ስለ ዝኾነ”  ብጐነጽ ኣፍደገ ባሕሪ ምውናን ኣይክኣል እዩ። ምስዚ ኩሉ ግና፡ ሰላማውን ዲፕሎማስያውን መንገዲ ንከተል  ዝብሉ ግዱሳት ኢትዮጵያውያን ምህላዎም፡ ክዝንጋዕ ዘየብሉ እዩ።  ብሄራዊ ምንቅስቓስ ኣምሓራ (ኣብን) ወኪሉ ዝተመርጸ ዶር ደሳለኝ ጫነ ኣብዚ ናይ 28 ጥቅምቲ ርክብ ፓርላማ  ዝበሎ ናይዚ ኣብነት እዩ። ምናልባት ኢትዮጵያ ከምዚ ዝኣመሰለ ሕቶ ናይ ምልዓል መሰል እንተዝህልዋ’ውን፡ ምስቲ ኣብ ውሽጣ ተፈጢሩ ዘሎ ዕግርግራት፡ ቀዳማይ ኣጀንደኣ ምውናን ኣፍደገ ባሕርን ወደብን ክኸውን፡ ፈጺሙ ግጉይ ናይ ቀዳምነት    ኣቀማምጣ’ዩ ዝብሉ ኢትዮጵያውያን’ውን ድምጾም ይስማዕ ኣሎ።

መንግስቲ ኢትዮጵያ ኣፍደገ ባሕሪ ኤርትራን ወደብ ዓሰብን ናይ ምውናን መሰል ኣለኒ ንምባል ዘቕርቦም መርተዖታት ብዙሓት ኮይኖም፡ ብመንጽር ዓለምለኻዊ ሕግታትን ተመኩሮ ኣፍደገ ባሕሪ ናይ ዘየብለን ሃገራትን ክዕቀኑ እንከለዉ መሰረት ዘለዎም ኣይኮኑን። ካብዚኣቶም ሓደ፡ “ካብቲ ባሕሪ ክሳብ ዶብ ኤርትራን ኢትዮጵያን ዘሎ ርሕቀት ካብ 60 ክሳብ 80 ኪሎሜተር እዩ” ዝብል ብብዝሒ ካብ ዝደጋገሙ እዩ። “ሃገረ ሞልደቪያ ካብቲ ናይ ወደብ ኣገልግሎት እትረኽበሉ ኦደሳ-ኦብላስት ዘለዋ ርሕቀት  2 ኪሎሜተራት ጥራይ እዩ። ሕቶኣ ዝመለስትሉ መንግዲ ከኣ ልዝብን ዘተን እዩ።   ብብዝሒ ህዝቢ ኣመሳሚስካ ዝቐርብ ኣጓጣጥ እውን ኣሎ። ይኹን እምበር፡ ብዛዕባ’ታ 1.169 ሚልዮን  ዝህዝባ እሞ ኢትዮጵያ ብዓለኻዊ ሕጊ ተማእዚዛ ኣገልግሎት ወደብ ክትረኽበላ ዝጸንሐትን ዘላን ጅቡቲ ምሕሳብ እውን መተገበኦም።

ኣፍደገ ባሕሪ ስለ ዘየብልና ዕቤትና ተገዲቡ፡ ዝበሃል ካልእ ኢትዮጵያውያን ክሓስብሉ ዝግበኦም እዩ። መጀመርያ  ኢትዮጵያ ኣብ ግዜ መንግስቲ ኢህወደግ ብደረጃ ዓለም ካብተን ቅልጡፍ ዕቤት ዘርእያ ዝነበራ ሃገራት ተባሂላ ብኣብነት ትጥቀሰሉ ዝነበረት፡ ኣፍደገ ባሕሪ ዘይብላ እንከላ ምዃኑ ምስትውዓል የድሊ። ካልእ ኣብ ምብራቕ ኤውሮጳ ኣትርከብ ሃገር ሉግዘምበርግ፡  ኣፍደገ ባሕሪ ዘየብላ ክነሳ፡ ኣብ ናይ 2025 ኣወሃህባ ደረጃ፡ ብመንጽር ሓፈሻዊ ዜቤታዊ እቶት (GDP)፡ ካብተን ቅድሚት ዝተሰርዓ 10 ሃገራት ቁጽሪ ሓደ ኮይና ዘላ ምዃና ከገናዝቡ  ነዘኻኽሮም።

ብወገን መንግስቲ ኢትዮጵያ፡ ከምዚ ዝተጠቕሰ ክፍከር እንከሎ፡ ኣብ ኤርትራ ዘሎ ጉጅለ ምናልባት እቲ ኣብ ኢትዮጵያ ከይዱ ዘስመዖ ዝነበረ ልኡላዊ ክብሪ ዘይነበሮ ዘይእዱብ መደረታቱን ዘይግሉጽ ተግባራቱን ግዲ ኣሕፊርዎ፡ ብመንጽርቲ ህጹጽነት ናይቲ ከይመጽእ ዘስግእ ዘሎ ውግእ፡ ሕጂውን ታሕተ ታሕቲ እንተዘይኮይኑ፡ ወግዓዊ ድምጹ ኣይስማዐን።

ከምቲ ኢትዮጵያዊ ጀነራል ባጫ ደበለ ኣብዚ ቀረባ ግዜ፡ “ኣቦይ ኢሳያስ፡ ዓሰብ ንህዝቢ ኢትዮጵያ ከም ዘካፍለና ኣፍልቡ እናሃረመ ደጊፍዎ እዩ” ዝበሎ፡ ንመራሕቲ ኢትዮጵያ የህርፍዎም ካብ ዘለዉ ሓደ እዚ ምዃኑ ዘይግመት ኣይኮነን። እንተ ህዝቢ ኤርትራ ኩሉቲ ምስ ኢሳያስ ክገብርዎ ዝጸንሑ ዘይግሉጽ ሕሹኽሹኽ ዝምልከቶ ኣይኮነን።   

ኤርትራ ሃገር ዝኾነትሉ መስርሕ፡ ነዊሕ ግዜ ዝወሰደ ጥራይ ዘይኮነ፡  ዝተሓላለኸን’ውን እዩ ነይሩ። ካብቶም ዝሓላለኽዎ ምኽንያታት እቲ ቀንዲ፡ ናይ ኢትዮጵያ ስሱዕ ግዝኣት ናይ ምስፍሕፋሕ ምንባሩ ታሪኽና ዘረጋገጾን ክሳብ ሎሚ’ውን ዘይተቐብጸ ሃተምተምን እዩ። እዚ ዝሓለፈ ነዊሕ መስርሕ ዝወሰደ፡ ዲፕሎማሲያዊ፡ ፖለቲካውን ወተሃደራውን ጥምጥም ብዘይካ ውሑዳት ብኣጻብዕ ዝቁጸሩ፡ ህዝቢ ኤርትራ ብምልኣት ዝተሳተፎ ኮይኑ፡ ኣብ ልዕሊ ህይወትን ንብረትን ኤርትራ ሰፍ ዘይብል ህልቂትን ዕንወትን ዘኸተለ እዩ። ኣብ መስርሕ ፖለቲካ ኤርትራ ንውድብ ሕቡራት ሃገራት ወሲኽካ፡ ዝተሳተፍዎ ትካላትን ሃገራትን ብዙሓት እዮም።

ኣብዚ እዋንዚ ፈደራላዊ መንግስቲ ኢትዮጵያ፡ ነቲ ኤርትራን ህዝባን ዝሓለፍዎ ቃልሲ ጐስዩ እዩ “ኤርትራ ብዘይኣገባብያ ናጻ ሃገር ዝኾነት፡ ግዝኣት ኢትዮጵያ እያ” እናበለ፡ መትሓዝን መጨበጥን ዘየብሉ ምምጽዳቕ ከቕርብ ይስማዕ ኣሎ። እዚ ናይ ኢትዮጵያ ግጉይ መደምደምታ ሓቂ ስለ ዘየብሉ፡ በብግዜኡ ዝቀያየሩን ኣብ ሕድሕዶም ዘይናበቡን ወስታታት እዮም። ንሓንሳብ ንኤርትራ ኣፍልጦ ዝሀባ መንግስታዊ ኣካል ኢትዮጵያ ኣብዘይስልጣኑ ዝወሰነ እዩ ክብሉ ይስምዑ። እንተኾነ እዚ ብሂሎም ብብዙሓት “ኣይከምኡን” ስለ ዝተባህለ ዓዳጋይ ኣይረኸበን።

ኣብዚ ቀረባ እዋን ድማ “ንኤርትራ ኣፍልጦ ዝሃበ መንግስታዊ ትካል ኢትዮጵያ ኣየናይ ምዃኑ ዘርኢ ሰነዳዊ መረጋገጽን ስኢና’ ዝብል ሓድሽ ቅዲ ተታሒዙ’ሎ። ኣብዚ ሓቀኛ ሚዛን ንዘለዎ ኣካል፡ ካልእ ገዲፍካ፡ ኢሳያስ ኣፈወርቅን ኣብይ ኣሕመድን ኣብ 2018 ኣብ ኣስመራን ጅዳን ከም መራሕቲ ክልተ ልኡላዊ ጐረባብቲ ሃገራት ዝኸተምዎ ስምምዕ ትሕዝቶኡ ዘየገድስ ባዕላቶም ዝሕተትሉን ኮይኑ፡ ከም መረጋገጺ ምውሳድ ምኣኸለ። ኣብይ ኣብ ክንዲ ንድሕሪት ተመሊሱ ምስ ዝሓለፉ መራሕቲ ሃገሩ ዝራገም፡ ካብ ነብሱ እንተዝጅምር ከኣ መምሓረሉ። ኢሳያስ ካብ ውልቃዊ ድሌቱ ምንጽብራቕ ሓሉፉ፡ ንክልቴን ሃገራትን ህዝበንን ዘርብሕ እሞ ብወግዒ ዝበሎ እንተሎ ከኣ ይመጉቶ።

ኤርትራን ሃገር ዝኾነትሉ መስርሕን ዝምልከት ሰነዳት ኣብ ኣዲስ ኣበባ እንተዘይተረኺቡስ፣ ኤርትራ “ኣኺልዋ” ሃገርነታ ተሰሪዙ፡ ምባል ከኣ ናይ ዕሽነት ዕሽነት እዩ። ምኽንያቱ ንኤርትራ ዝምልከቱ ሰነዳት፡ ኣብታ በብግዜኡ “እንተዘይወሓጥኩኺ” እትብላ ኢትዮጵያ ጥራይ እዩ ዝርከብ ኢልካ ምግማት ድማ ግጉይ እዩ። ኢትዮጵያ እሞ ንኤርትራ ኣፍልጦ ዝህብ ምስክርነት ኮነ ሰነዳት ዘርተዓ ስለ ዝኾነ ክትዕቅብ ዘይኮነ፡ ከተጥፍእ ድሕር ከምዘይትብል ምግማቱ ዘጸግም ኣይኮነን።

ውድብ ሕቡራት ሃገራት ብወገኑ፡ ንኤርትራ ብፍላይ ካብ 1948 ጀሚሩ፡ ክሳብ ልኡላውነታ እትእውጅ፡  ፖለቲካውን ታሪኻውን ትሕዝቶ ዘለዎ መስርሕ ዝሓቖፈ፡ “ውድብ ሕቡራት ሃገራትን ናጽነት ኤርትራን (The United Nations and the Independence of Eritrea)”፡ ኣብ ትሕቲ ዝብል ሓፈሻዊ ኣርእስቲ፡ 286 ገጻት ዘለዎ መወከሲ ሰነድ ዓቂቡ’ሎ።

 እዚ ሰፊሕ ታሪኻዊ ሰነድ፡ ብፍሉይ ዘተኮረሎም 44 ሰነዳት ዘስፈረ ኮይኑ፡ ኢትዮጵያ ብወጻኢ ጉዳይ ሚኒስትሪኣ ኣቢላ፡ ንልኡላውነት ኤርትራ ኣፍልጦ ዝሃበትሉ 4 ጉንበት 1993 ናብ ውድብ ሕቡራት ሃገራት ዝተላእከ ወግዓዊ ደብዳበ፡ መበል 30 ኮይኑ ተመዝጊቡ ይርከብ። እቲ ደብዳበ ነቲ ጉዳይ ኤርትራን ህዝባን ኣብ ዓወት ንምብጻሕ ኣብ ቅድሚ ብኣህጉራዊ ተዓዛብነት ዘካየድዎ ዘካየዶ ቃልሲ ኣደኒቑን ረፈረንደም፡ ንክዕዘብ ናብ ኤርትራ ተላኢኹ ዝነበረ ኣካሉ ዘቕረበሉ ጸብጻብ ኣብ ግምት ኣእትዩን፡ ድሕሪ ምምዛን  ክድምድም እንከሎ፡ “መሰጋገሪ መንግስቲ ኢትዮጵያ፡ ንኤርትራ ከም ልኡላዊት ሃገር  ኣፍልጦ ከም ዝሃበ ንማሕበረሰብ ዓለም ነፍልጥ” ይብል።

ናይዚ ደብዳበ’ዚ ኣብ መዝገብ ናይ ኢትዮጵያ ሚኒስተር ወጻኢ ጉዳይ የለን ክባሃል ዝካኣል’ኳ እንተዘይኮነ፡ እንተዘየልዩ ግና፡ እቲ ጸገም ናይ ሰነድቲ ናይቲ ሚኒስትሪ እምበር፡ ናይ ኤርትራ ሓጥያት ኣይኮነን። ኣብ ኤርትራ ዝተኻየደ ረፈረንዱም ንምዕዛብ ናብ ኣስመራ ተላኢኹ ዝነበረ ላዕለዋይ ልኡኽ ኢትዮጵያ፡  ሽዑ ሚኒስተር ዜና ደሓር ከኣ ፕረሲደንት ኢትዮጵያ ብዝነበረ ነፍስሄር ዶር ነጋሶ ጊዳዳ ዝምራሕ ምንባሩ ይዝከር።

ካብዚ ሓሊፉ ንገዛእ ርእሱ ኣብ ጉዳይ ኤርትራ፡ ካብ 40ታት ጀሚሩ ክሳብ ምጽዳቕ ውጽኢት ረፈረንዶም ኣብ ጉዳይ ኤርትራ ክሳተፍ ዝጸንሐ ውድብ ሕቡራት ሃገራት፡ ንኤርትራ ከም ኣባሉ ዝተቐበለሉ ናይ መወዳእታ ደብዳበ፡ ኣብቲ ንኤርትራ ዝምልከት ሰፊሕ ሰነድ ከም መበል 35 ዝተዓቀበ ኮይኑ፡ “ውሳነ ሓፈሻዊ ባይቶ ሕቡራት ሃገራት”  ኣብ ትሕቲ ዝብል ኣርእስቲ፡ “ሓፈሻዊ ጉባአ ካብ ቤት ምኽሪ ጸጥታ ብ26 ጉንበት 1993 ዝቐረበሉ መበገሲ ሓሳብ ኣብ ግምት ብምእታው፡ ሎሚ 28 ጉንበት 1993  ኤርትራ ኣባል ክትከውን ወሲኑ”  ይብል።

ስለዚ እቶም ንኤርትራ መንዚዕካ ምውሳድ “ኣባላዓ እንጀራ” ዝመስሎም ወገናት፡ ወይ ነዚ ታሪኻዊ ሓቂ ዘይርድኡ ወይ ድማ “ሰሚዖም ከምዘይሰምዑ ክኾኑ ዝደልዩ”፡ ህዝብታት ብምንቋት ኣብ ስልጣን ናይ ምንባር ጥራሕ ዘይኮነ፡ ንጉሰ ናይ  ምዃን ሕልሚ’ውን ዘለዎም  እዮም።

ኤርትራን ህዝባን ብከቢድ ጸገም ክሓልፉ ከም ዝጸንሑን ዘለዉን፡ ጸሓይ ዝወቐዖ ሓቂ እዩ።  “ኤርትራ ኣብ ከምዚ ዝኣመሰለ ጸገም ናይ ምውዳቓ ሓቀኛ ጠንቂ፡ እንታይ እዩ?”  ዝብል ሕቶ፡ ብተደጋጋሚ ብብዙሓት ወገናት ክምለስን ከጨንቕን ዝጸንሐን ዘሎን እዩ። ናይዚ መሰረታዊ ሕቶ መልሲ ኤርትራውያን ዝሓልፍዎ ዘለዉ ህይወት ብምዃኑ’ኳ ብሩህ እንተኾነ፡ ነቲ ጉዳይ ብቐረባ ዘይፈልጥዎ ኣካላት  ዝህብዎ ምላሽ ግና ዝተፈላለየ እዩ። ። 

ገለ ወገናት ኤርትራ ብደረጃ ስፍሓት ንእሽቶ ብምዃናን፡ ከም ምኽንያት ናይ ጸገማ ገይሮም ከቕርቡዎ ይስምዑ። ንዋሕዲ ህዝባን ከም ጠንቂ ናይ ጸገማ ገይሮም ክርድእዎ ዝፍትኑ’ውን ኣይተሳእኑን። ሕሉፍ ሓሊፎም ኤርትራ ናብዚ ንዓለም ዘስደምም ዘሎ ድሕረትን ጭቆናን ምውዳቓ፡ ካብ ኢትዮጵያ ተፈልያ “ልኡላዊት ሃገር ምዃና እዩ” ክብሉ ዘይሓፍሩ’ውን ይስምዑ እዮም።

እዞም ኣቐዲሞም ዝተጠቕሱ፡ ኤርትራ ናይ ሕሰምን መከራን መርኣያ ንክትከውን ዝደረኹ እናተባህሉ ዝጥቀሱ ምኽንያታት፡ ቅቡላት ከምዘይኮኑ፡ ብዙሓት ምርተዖታት ምቕራብ ይከኣል። ኤርትራ ብስፍሓታት ኣብ መስርዕ 195 ሃገራት ኣብ  መበል 101 እትርከብ እያ። ካብተን ካብኣ ዝንእሳ ሃገራት ድማ ብዙሓት  ኣብ ዝሐሸ ኩለ-መዳያዊ ዕቤትን ህድኣትን ከም ዝርከባ ዘዳዲ ኣይኮነን። ብመንጽር ብዝሒ ህዝቢ እውን፡ ኣብዚ እዋንዚ ኣብ መበል 132 ደረጃ እትርከብ ክትከውን እንከላ፡  ካብኣ ዝወሓደ ህዝቢ ዘለወን ከኣ  ኣብ ዝሓሸ ሃለዋት ዝርከባ ምዃነን፡ ጸገም ኤርትራ ምስ ዋሕዲ ህዝባ ዘይተሓሓዝ ምዃኑ ዘርኢ ጭብጢ እዩ። ኤርትራ ኣብዚ ዘላቶ ጸገም ዝወደቐት  ልኡላዊት ሃገር  ብምዃና እዩ ዝብልዎ እሞ ድማ ንክብሪ ልኣላውነት’ውን ስለ ዘነኣእስ ፈጺሙ መሰረት ዘየብሉ ሚዛን ጥራይ ዘይኮነ፡ እቶም ከምኡ ዝሓስቡ ናይ ምዕምጣራን ተመሊስካ ምግዘኣን ህርፋን ከይህልዎም ዘጠርጥር እዩ።  ናብቲ ክዉን ሓቂ ክንመጽእ እንከለና ድማ፡  እተን ኣብ ዝተፈላለየ ደረጃ ምዕባለ ዝርከባ ሃገራት ኩለን ልኡላውያን ምዃነን እዩ።

እቲ ንኤርትራ ኣብዚ ዘላቶ ኣውዲቕዋ ዘሎ፡ ከምቲ ብርትዓውያን ገምገምቲ ተደጋጊሙ ዝጥቀስ፡ “ብኩራት ዲሞክራስያዊ ስርዓትን ትካላቱን እዩ።” ኤርትራዊ ኣንጻር ህግደፍ ንዲሞክራዊ ሓርነት ዝቃለስ ዘሎ እውን እዚ ተረድኦ ስለ ዝሓደሮ ምዃኑ ኣብ ግምት ምእታው የድሊ። ብመዕቀኒ ሰናይ ምምሕዳር (GOOD GOVERNANCE) ብኣውንታ ቅድሚት ካብ ዝስረዓ ልኡላዊ ሃገራት፡ ሲንጋፖር፡ ስዊዘርላንድ፡ ፊንላንድ፡ ኖርወይ፡ ደንማርክን ማናኮን ዝኣመሰላ ተሰሊፈን ይርከባ።  ኤርትራ ኣብዚ መዕቀኒ’ዚ ካብ 193 ሃገራት ኣብ መበል 187 ምርካባ እቲ ሓቀኛ ምኽንያቱ  ብኩራት ዲሞክራሲ ምዃኑ የርኢ።  ስፍሓት መሬት ከም መዕቀኒ እንተወሰድና ማናኮ 2.08 ትርብዒት ኪ/ሜት ስፍሓት ክህልዋ እንከሎ፡ ንውሓት ገምገም ባሕራ ከኣ 3.83 ኪ/ሜ ጥራይ እዩ። ኤርትራ ከኣ ናይ ደሴታታ ወሲኽካ፡  2,234 ኪ/ሜ ዝንውሓቱ ገምገም ባሕርን 117,600 ትርብዒት ኪ/ሜ ስፍሓትን እትውንን ሃገር እያ።

ኣብዚ እዋንዚ ብዓለም ደረጃ ብዕቤታን ዘመናውነታን እተዛርብ ዘላ ሃገር ቐጠር፡ ኣብ ምድረ በዳ ዝተደኮነት፡ ስፍሓት መሬታ 11,581 ትርብዒት ኪ/ሜ፡ ብዝሒ ህዝባ ድማ  2.8  ሚልዮን እሞ ድማ ካብቲ ዝሰርሕ ዓቕማ ልዕሊ 95% ወጻእተኛ  ምዃኑ ምስትውዓል እውን ካልእ መርኣያ ኮይኑ ዝጥቀስ’ዩ። ኤርትራ ምስቲ  ዘለዋ ኣዝዩ ጽኑዕን ጻዕራምን ህዝቢ፡ በበዓይነቱ ናይ ልዕሊ ምድርን ትሕቲ ምድርን ተፈጥሮኣዊ ሃብትን ብሓፈሻ፡ ብፍላይ ድማ 26% ካብ መሬታ ተሓራሲ፡ ብወርቂ፡ ግራናይት፡ እምነ-በረድን ፖታሽን ዝኣመሰሉ ማዕድናትን ዝተዓደለት ምዃና ተወሲኽዎ፡  ህዝባ ተጸባይ ምዃኑ እቲ ቀንዲ ምኽንያታ ኣብ ብኩራት ሕገ መንግስታዊ ምምሕዳር ዝወለዶ ምዃኑ  ንምርድኡ ኣየጸግምን።  

እቲ ነዊሕ ዝዕድመኡን ብመስርሕ ዝረጋገጽን መትከል ሰናይ ምምሕዳር፡ ብብዙሕ ብመስርሕ ዝዓቢ ዓሚቕን ሰፊሕን ትርጉም ዘለዎን ኣብ ኤርትራ ጠሪሱ በዂሩ ዘሎ ኣምር እዩ።  ካብቲ በዓል ብዙሕ መልክዕ ኣተርጓጉማኡ፡ “ስልጣን ኣብ ምምሕዳር ቁጠባ ሃገር፡ ማሕበራዊ ጸጋታትን ንዕቤት ዝውዕለሉ ቅዲ  ምኽታል እዩ” ዝብል ሓደ እዩ። ሰናይ ምምሕዳር ዝተፈላለዩ ዝግለጸሎም መርኣያታት ዘለዉዎ ኣምር እዩ። “ናይ ዜጋታት ምዕሩይ ኩለ-መዳያዊ ተሳትፎ ኣብ ጉዳይ ሃገሩ፡ ህላወ ልዕልና ሕግን ሓለዋ ሰብኣዊ መሰልን፡ ግሉጽነትን ንዝምልከቶም እኹል ሓበሬታ ምቕራብን፡ ምውሳድ ሓላፍነትን ምትግባር ዝተኣትወ ቃልን፡ ናይ ብዙሓት ሓሳብ ዘማእከለ መስርሕ ኣወሳስና ምኽታል፡ ማዕርነትን ኣሳታፍነትን፡ ኣድማዕነትን ብቕዓትን፡ ተሓታትነትን ርኢቶ ውሑዳት ንክስማዕ ዕድል ምሃብን” ዝብሉ ካብቶም ብዙሓት መግለጺኡ ውሑዳት እዮም። እዚኣቶም ኩሎም ከኣ ብመንጽር ወሳኒ ግደ ህዝቢ ኣብ ጉዳዩ  ዝተቓነዩ እዮም።

ብመንጽር’ዚ ኣብ ኤርትራ ድሕሪ ናጽነት ናይ ኩሎም መግለጺ ሰናይ ምምሕዳር ብኩራት ኢዩ ጸኒሑን ዘሎን። ናብቲ ኣቐዲሙ ዝተጠቕሰ ኣህጉራዊ መዕቀኒ ሰናይ ምምሕዳር ከይከድና፡ ኣብ ኤርትራዊ ዘቤታዊ ዋኒን፡ ሕገመንግስትን ካብኡ ዝምንጭዉ ሕግታትን የለን። ሎሚ ንኤርትራ “እመርሓ ኣለኹ” ዝብልን ንቑልቁል ዝንቆት ዘሎን “ኣነ እየ ክንዲ ኹሉ” ኢሉ ዝምካሕ ጉጅለ ህግደፍ ክሳብ ክንደይ ጠንቂ ብኩራት ሰናይ ምምሕዳር ከም ዝኾነ፡ ብሓፈሻ ኣብ ተደጋጋሚ መድረኻት፡ ብፍላይ ድማ ኣብ ናይ 23 ሓምለ 2025 ቃለ መጠይቕ ዲክታተር ኢሳያስ ኣፈወርቂ ከም ብብዙሕ መልከዓት ዝግለጽ ዘርባዕባዑ ኣረጋጊጽዎ እዩ። ብሰንኪ’ቲ ዓምጻጺ ምምሕዳር ናይቲ ጉጅለ ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ኤርትራ ዝወረደ፡ እቲ በዳሊ ጉጅለ እውን ዘይክሕዶ፡ ቁባዊ ድኽነት፡ ማሕበራዊ ቅልውላውን ሰብኣዊ ዓመጻትን ምዝርዛሩ ዝከኣል ኮይኑ፡ ብዓብይኡ ከኣ ናይ መንእሰይ ኤርትራ ኣብ ፈቐድኡ ተሰዲዱ ይሓልፎ ብዘሎ ህይወት’ውን በሪኹ ዝረአ እዩ።

በመንጽር’ዚ እቶም ንድሕረት ኤርትራ ሓቀኛ ጠንቂ ዘይኮኑ፡  ምኽንያታት እናጸፍጸፉ፡ ህዝብና “ኣብዚ ዘለኹዎ ሕሰም ዝወደቕኩ ነጻ ሃገር ስለ ዝወነንኩ ኢየ” ኢሉ፡ ምእንቲ ልኡላውነት ሃገሩ ዝኸፈሎ ዋጋ ኣጣዒስዎ ትሕቲ ሃገርነት ክሓስብ ክደፍእዎ ዝህቅኑ ወገናት ፡ ክሳብ ክንደይ ኣብ ግጉይን መደናገርን መንገዲ ከም ዘለዉ ተገንዚቦም ኢደ-እግሮም ክእክቡ  ነዘኻኽር።

ዓለምና ሃዲኣን ተኻኣኢላን ክትጐዓዝ ዘኽልዋ ዘሎለዉ ንሃገራዊ ልኡላውነት፡ ሓባራዊ ህልውናን ተጠቃምነትን ማእከል ዝገበሩ ውዕላትን ስምምዓትን እዮም። እዞም ውዓላት ገሊኦም ንኩለን ሃገራት ዝገዝኡ ክኾኑ እንከለዉ፡ ገሊኦም ከኣ ክልትኣዊ ወይ ስሉሳዊ ኮይኖም ዝተወሰና ሃገራት ዝግዛኣሎም እዮም።  ክልተኣዊ ስምምዓት እውን ኣካል ዓለምለኻዊ ስምምዓት ዝኾንሉ ዕድል ኣለዎም። ስለዚ ዓለምና ናይ ሓያልን ዓመጸኛን መዕንደሪት ከይትኸውን ካብ ዝዕቅብዋ እዞም ስምምዓትን ውዕላትን እዮም። ነዞም ውዕላትን ስምምዓትን ዘተግብሩን ንከይጠሓሱ ዝከላኸሉ ከኣ ኣህጉራውን ዞባውን ትካላት እዮም። ውድብ ሕቡራት ሃገራት፡ ሕብረት ኣፍሪቃ፡ ሕብረት ኤውሮጳን ኢጋድን  ከኣ ካብቶም ቀንድታት እዮም።

ሓንቲ ሃገር ልኡላውነታ ኣብ ቅድሚ ሕብረተሰብ ዓለም ቅቡል ዝኾነሉ መስርሕ ኣለዋ። ኤርትራ እውን ናብዚ ሎሚ ጨቢጣቶ ዘላ ልኡላውነት ንኽትበጽሕ ዝሓለፈቶ መስርሕ ኣለዋ ገለ ወገናት ግን፡ ብሰንኪ ጨቛኒ ምምሕዳር ህግደፍ “ልኡላውነት ዘይብላ ሃገር” ክብልዋ ዝደልዩ ኣለዉ። እንተኾነ ዝተጓዕዘቶ መስርሕ በዳሂ’ዩ ይኹን እምበር፡ እቲ ኤርትራ ልኡላዊት  ዝኾነትሉ መስርሕ ብዘቤታዊ ዕዉት ቃልሲ ጥራይ ዘይኮነ፡ ብዝተፈላለዩ ኣህጉራዊ ተቐባልነት ዘለዎም ውዕላትን ስምምዓትን’ውን ዝደልደለ እዩ። ካብቶም ኣብ ዝሓለፉ 136 ዓመታት ንኤርትራዊ ልኡላዊ ሃገራውነት ኣብ ድልዱል ባይታ ዝሰረቱ ውዕላት ከኣ ንኣብነት ምጥቃስ ይከኣል።

1ይ፡ ብ2 ጉንበት 1889  ንጉስ ምነሊክ 2ይን፡ ንኢጣልያን ከም ገዛኢት ኤርትራ ኣፍልጦ ንምሃብ  ዝተኸተመ ውዕል ውጫለ፡

2ይ፡ ብ10 ሓምለ 1896; ኣብ መንጎ ምነሊክን ኢጣልያን ኣብ ኣዲስ ኣበባ ዝተበጽሐ ኢትዮጵያ፡ ኤርትራ  ኣብ ትሕቲ መግዛእቲ  ኢጣልያ ምንባራ  ዝተኣመነትሉ ውዕል ።

3ይ፡ ብ10 ሓምለ 1900 ኣብ ኣዲስ ኣበባ; ኣብ መንጎ ኢጣልያን ኢትዮጵያን ዝተኸተመ፡ ኤርትራን ኢትዮጵያን ኣብ ዘራኽብ ማእከላይ ዞባ ዶባተን መረብ፡ በለሳን ሙናን ምዃኑ ኣፍልጦ ንምሃብ ዝተሰማመዓሉ።

4ይ፡ ብ15 መጋቢት1902፡ ኤርትራን ኢትዮጵያን ኣብ ዘራኽብ ምብራቓዊ ዞባ ዶባተን ንምንጻር ዝኸተማሉ ውዕል።

5ይ፡ ብ10 ጉንበት 1908፡ ኤርትራን ኢትዮጵያን ኣብ ዘራኽብ ምዕራባዊ ክፋል ፡ ዶበ ኤርትራን ሱዳንን ንምንጻር ንጉስ ኢትዮጵያ ምስቲ ሽዑ ንሱዳን ዝገዝእ ዝነበረ መንግስቲ ዓባይ ብሪጣንያ ዝኸተምዎ ውዑል።

6ይ፡ ብ16 ነሃሰ 1928 ኢትዮጵያ ንመግዛእቲ ኢጣልያ ኣብ ኤርትራ ኣፍልጦ ሂባ ምስኡ ብሰላም ንምንባር ዝኽተመቶ ስምምዕ።

7ይ.ብ15 መስከረም 1952 ኤርትራን ኢትዮጵያን ከም ክልተ ሃገራት ብፈደረሽን ክቑረና ዝተኸተመ ስምምዕ።

8ይ፡ ብ1964፡ ውድብ ሓድነት ኣፍሪቃ ኣብ ኣዲስ ኣበባ፡ እዚ ሎሚ ዘሎ መግዛእታዊ ዶባት ሃገራት ቅቡል ኮይኑ ንክቕጽል  ዝተረዳዳኣሉ ስምምዕ።

9ይ፡ ብ28 ጉንበት 1991፡ ድሕሪ ውድቀት ስርዓት ደርግ ኣብ ለንደን ኣብ ህልውና ህግሓኤ፡ ህወሓትን ኣሜሪካን  ዝተበጽሐ  ስምምዕ ፕሮቶኮላዊ ምሰጋገሪ።

10ይ፡ ብ28 ጉንበት 1993 ድሕሪ ውጽኢት ረፈረንደም ኤርትራ ኣብ ውድብ ሕቡራት ሃገራት ከም መበል 182 ልኡላዊት ሃገር ተመዝጊባ

መበል11ይ፡ ብ12 ታሕሳስ 2000 ኣብ ኣልጀርስ ብፕረሲደንት ኢሳያስ ኣፈወርቅን ቀዳማይ ሚኒስተር መለስ ዜናውን ውግእ 1998-2000 ንምቁራጽን ናጻ ኮሚሽን ዶብ ንቛምን ስምምዕ ዝተኸተመሉ፡ 

መበል 12፡ ብ13 ማዝያ 2002 ኮሚሽን ዶብ ኤርትራን ኢትዮጵያን፡ ክልቲአን ሃገራት ብመትከል ዝተቐበለኦ ቀያድን ናይ መወዳእታን ብይኑ  ብወግዒ ዝገለጸሉ።

እዞም ስምምዓት በቶም ዝኸተምዎም መንግስታት ጥራይ ዝኽበሩን ዝትግበሩን፡ እቶም ከተምቲ ምስ ሓለፉ ግና ዝፈርሱ ዘይኮኑ፡ ኣብ መስርሕ ምቅይያር መንግስታዊ ስልጣን፡ ናብ ስልጣን ዘዝመጹ ተካእቲ’ውን ክቕየድሎም ዘገድዱ እዮም። ምኽንያቱ ብስም ሓላፍቲ ስርዓታት ዘይኮኑ፡ ብስም እተን ዘይሓልፋ ሃገራትን ህዝበንን ዝተበጽሑ ስምምዓት ስለ ዝኾኑ። በዚ መሰረት ካብ ግዜ መግዛእቲ ጀሚሮም ኣብ መንጎ ኤርትራን ኢትዮጵያን ዝተኸተሙ ስምምዓት ምስ ምቅይያር ስርዓታት ዝቀያየሩ ዘይኮኑ፡ ከይተሸራረፉ ክኽበሩን ክትግበሩን ናይ ግድን እዩ። ከም’ዞም ንኤርትራን ኢትዮጵያን ዝምልከቱ ዓለምለኻዊ ኣፍልጦ ዘለዎም ውዕላት፡  ንጸቢብ ረብሓኻ ጥራይ እተኽብሮም ዘይኮኑ፡ ረብሓን ክብርን ካለኦት ከይትግህስ እትቕየደሎም ምዃኖም ከኣ መንግስታት ከስተውዕለኦ ይግበአን።

እዞም ኣብ መንጎ ኤርትራን ኢትዮጵያን ኣብ ዝሓለፉ 136 ዓመታት ዝተኸተሙ ስምምዓት ኣብ ሕድሕዶም ተመላሊኦም ታሪኽን  ልኡላውነትን ኤርትራ ናብዚ በጺሕዎ ዘሎ ዘብጽሑ እምበር፡ ኣብ ሕድሕዶም ዝጻረሩ ኣይነበሩን ኣይኮኑን። ኣብቲ መስርሕ ግና ብሰንኪ ረብሓን ሻርሕን ሓያላት ንግዜኡ ከም ዝተዓንቀፉ  ታሪኽ  ይነግረና፡ ኣብቲ ኤርትራ ናጻ ክትኮነሉ ዝነበራ ወሳኒ መድረኽ፡ ካብ ድሌት ህዝባ ወጻኢ  ምስ ኢትዮጵያ ብፈደረሽን ክትቁረን ዝተገደደትሉ ግዜ፡ ጸሓፊ ወጻኢ ጉዳይ ሕቡራት መንግስታት ኣሜሪካ ዝነበረ፡ ጆን ፎስተር ዳላስ፡ “ብመንጽር ፍትሒ፡ ንርኢቶ ህዝቢ ኤርትራ  ቆላሕታ ክወሃቦ መተገበአ፡ እንተኾነ እስትራተጅካዊ ረብሓ ሕቡራት መንግስታት ኣሜሪካ ኣብ ቀይሕ ባሕሪ ከምኡ እውን ኣህጉራዊ ጸጥታን ምርግጋእን ኣብ ግምት ብምእታው፡ ኤርትራ ምስታ ምሓዛና  ኢትዮጵያ ክትጽመድ ናይ ግድን ኮይኑ’ሎ።” ዝበሎ ናይ ዓመጽ መርኣያ እዩ።

ኣብዚ ኣብ መንጎ ኤርትራን ኢትዮጵያን መመሊሱ ናህሩ ዝውስኽን ናብ ውግእ ከይዓርግ ዘስግእን ዘሎ ምውጣጥ፡ ተደጋጊሞም ካብ ዝጥቀሱ ሓደ፡ “ኢትዮጵያ ኣፍደገ ባሕሪ የድልያ እዩ” ዝብል እዩ። እወ ኢትዮጵያ መውጽእን መእተውን ወደብ ከም ዘድልያ ዝከሓድ ኣይኮነን። እቲ ኣብ ዘይብጸሓካ ባሕርሪ “መደበር ሓይሊ ባሕሪ እንተዘይሃነጽኩ” ምባል ግና ብሓጺሩ ዓለም ለኻዊ ሕግታት ስለ ዝጥሕስ ቅቡል ኣይኮነን።

ሕቶ ተጠቃምነት ወደብ ናይ ሓንቲ ኣፍደገ ባሕሪ ዘየብላ ሃገር ዝትግበረሉ ብሕጊ ዝደገፍ መስርሕ ኣለዎ። ኢትዮጵያ ኣፍደገ ባሕሪ ብዘለወን ጐረባብቲ ሃገራት ዝተኸበት ስለ ዝኾነት ብኸመይ ተጠቃሚት ወደብ ትኸውን ሰፊሕ ናይ  ምምራጽ ዕድል ኣለዋ። እዚ ሎሚ ኣብኣ ዝጅመር ዘይኮነ፡ ባዕላ ኮነ ካለኦት ኣፍደገ ባሕሪ ዘየብለን ሃገራት ክሰርሓሉ ዝጸንሐትን ዘለዋን እዩ።

ርሑቕ ከይከድካ ኣብዚ ቀረባና ኩነታት ኣጠቓቕማ ኡጋንዳ ብወደብ ኬንያ ሙምባሳ  ምውካስ ይከኣል። እዚ ሎሚ ንዕዘቦ ዘለና ካብ “ተጠቃምነት ናብ ዋንነት” ዘሊልካ ልኡላውነት ኤርትራ ዓምጢርካ “ክትውንን” ምህንዳድ ግና፡ ምስቲ ኢትዮጵያ “መስራቲት ውድብ ሕቡራት ሃገራትን ሕብረት ኣፍሪቃን ከምኡ እውን ፈራሚት ዝተፈላለዩ ኣህጉራውን ዞባውን ስምምዓትን ቻርተራትን እየ”  እትብሎ ዝምጥን ከምዘይኮነ ብምግንዛብ፡ ህዝቢ ኢትዮጵያ ሕሳቡ ክገብር  እምበር፡ ደድሕሪ  ዝሃሉ  ክሃልል ኣይግበኦን።

ዞባና ምስቲ ተበሃጊ ኣቀማምጣኡ፡ በብግዜኡ ኣዛረብቲ ፖለቲካዊ ክስተታት ዝረኣይሉ ከባቢ እዩ። ዝሓለፍናዮ   ጉዕዞ ምስእንግንዘብ፡  ሃገራት ከባቢና ካብ ሕድሕድ ምውጣጥን ምክሳስን ሓሊፎም፡ ግዳይ ውግእን ህልቂትን ክኾና ምጽነሐን ዝፍለጥ እዩ። ዝሓለፉ ይኹኒ ዘለዎ ናይተን ሃገራት መንግስታት ኮኑ፡ መዕንገልቶም ንምንዋሕ ዕድመ ስልጣኖም ክብሉ፡ ዝፍጠሩ ጸገማት ንምግዳድ ዓረቕቲ መሲሎም ክሕምሱ ከም ዝጸንሑ ታሪኽ ዝምስክሮ’ዩ። እነሆ ድማ ሎሚ፡ እቲ ካብ ኣጀንዳነት ኣዕሪፉ ዘይፈልጥ ዝምድና  ኤርትራን ኢትዮጵያን፡ ካብ ዞባና ሓሊፉ  ኣህጉራዊ መዛረቢ ዛዕባ ኮይኑ ይርከብ።

ኣዛራብነት ኤርትራን ኢትዮጵያን መብዛሕትኡ ግዜ ኣብ ልምዓት፡ ሰላምን ምትሕባርን ዝተሰረተ፡ ናብ ብሩህ መጻኢ ዘማዕዱ ኣይኮነን። ኣብ ክንድኡ ቋንቋ ውግእን ምውጣጥን ዝቃልሓሉን ስግኣትን ሻቕሎትን ህዝብታት ዘርኢ እዩ። እዚ ዘይርጉእ ርክብ ኣብ ዝተፈላለዩ መድረኻት፡ ብዝተፈላለዩ ኣካላትን መልክዓትን ክግለጽ ዝጸንሐ እዩ። ብመንጽር’ዚ ገለ ኣብቲ ጉዳይ ተዋፊረን ካብ ዘለዋ ካብ ርኢቶ ናይቶም መንግስታት ናጻ ዘይኮና መርበባት  ከም ኣብነት ምጥቃስ ይከኣል።

ኣብዚ ዝሓለፈ መዓልታት፡ ምስቲ ንኤርትራን ኢትዮጵያን ኣብ ዝምልከት ኣዛራቢ ኮይኑ ዘሎ ዓብይ ኣጀንዳ ዝዛመድ፡ ኣብ መርበባት ሓበሬታታት ተጻራሪ ናይ ሓሳባት ምምንጣላትን ምክሳስን ተዘርጊሑ። ካብኡ ኣብ ሆርን ረቪው (HORN REVIEW)፡   ናይ ኢትዮጵያ ኣፍልጦ ንኤርትራዊ ሃገርነት ናይ ምስሓብ ጉዳይ ኣብ ትሕቲ ዝብል  ኣርእስቲ ብእንግሊዘኛ  ዝወጸ ሰፊሕ ጽሑፍ ሓደ እዩ።

ኣብቲ ዝወጸሉ መርበብ እምበር፡ ጸሓፊኡ ዘይተጠቕሰ ብዙሓት መዲያታትን ኣንበብትን ዝተቐባበልሉ ጽሑፍ፡       “….. ኢትዮጵያ  ንሓንቲ ሃገር ኣፍልጦ ምስ ሃበት፡ እሞ እታ ኣፍልጦ ዝተዋህባ ሃገር ጥቕሚ ዘየብላን ጠንቂ ዘይምርግጋእን እንተኮይና፡ በቲ ኣቐዲማ ዝሃበቶ ኣፍልጦ ተቐይዳ ክትነብር ትግደድ ድያ?” ኢሉ ድሕሪ ምሕታት፡ እዚ ጉዳይዚ ምልዓልና መሰረት ዘየብሉ ኣይኮነን” እውን ይብል። ንሓንቲ ሃገር ኣፍልጦ ዝወሃብ ብመንጽር ረብሓኻን ልኡላውነትካን ኮይኑ፡ ነባርን ዘይቅየርን ኣይኮነን ዝብል ምስ  ኣስዓበ ከኣ፡ ዓለም ለኻዊ ሕጊውን በቲ ሓንሳብ ንልኡላውነት ዝሃብካዮ ኣፍልጦ ተቐይድካ ንበር ኣይብልን’ዩ  ዝብል የስዕብ።

ቀዋሚ ሃገር ንምዃን 4 መሰረታዊ ጉዳያት ክማልኡ ይግበኦም፡ሳቶም ከኣ፡ ቀዋሚ ህዝቢ፡ንጹር ዝተኸለለ ከባቢ፡ ኣድማዒ መንግስትን ብቑዕ ኣህጉራዊ ዝምድናታት ክትፈጥር ምብቃዕን እዮም  ዝብል ሓሳብ ድሕሪ ምስፋር ድማ፡ “ኤርትራ ኣብዚ እዋንዚ ዳርጋ ንኣርባዕቲኡ መምዘንታት ሃገርነት ኣይትበቕዖን’ያ” እንዳበለ ይህውትት።

በቲ ካልእ ወገን ከኣ፡ ቀይሕ ባሕሪ ቢኮን (RED SEA BEACON)፡ ኣብ ዝተባህለ መርበብ ሐበሬታ ዘይቅየር ሓቂ ኣብ ትሕቲ ዝብል ኣርእስቲ፡ ብተመሳሳሊ ዝወጸሉ መርበብ እምበር፡  ጸሓፊኡ ብውልቂ ዘይተጠቕሰ፡ ሰፊሕ ጽሑፍ  “ ….. ናጽነት ኤርትራ ብኢትዮጵያ ዝተዋሕሰ፡ ወይ ኣብ ድሌት ኣዲስ ኣበባ ዝተንጠልጠለ ኣይኮነን። ኤርትራዊ ሃገርነትኣብ ናጽነት ካብ  መግዛእቲ ዝተሰረተ፡ ብደምን መስዋእትን ዝተዋሕሰ፡ ብዓለም ለኻዊ ሕጊ ዝተረጋገጸን ብናይ ሰለስተ ዓሰርተታት ዓመታት ሃገራዊ ግብራዊ ጉዕዞ ዝተመኮረን እዩ። ነዚ ንምኽሓድ ዝቐርብ ሓሳብ ከኣ ትንታነ ዘይኮነ ልብ-ወለድዩ።” ዝብል መልእኽቲ ዝርከቦ ግብረ-መልሲ ኣስፊሩ።

ምስዚ ብዝተተሓሓዘ ካብቲ መንግስቲ ኢትዮጵያ ከም ኣፍደገ ባሕርን ወደብ ዓሰብን ንምምንዛዕ ኢሉ ዘቕርቦ ኣገራሚ መርተዖታት፡ “ብዘይ ኣፍደገ ባሕሪ፡ ልኡላውነት ሃገርን ቁጠባዊ ዕቤት ስለ ዘይረጋገጽ፡ ዓሰብ ናይ ኤርትራ ኮይና ስለ ዘይትፈልጥ፡ ህዝቢ ኢትዮጵያ ምስ ህዝቢ ኤርትራ ክወዳደር እንከሎ ኣሃዛዊ ብልጫ ስለ ዘለዎ፡  ዝብሉ ከም ዝርከብዎም ኩሉ ዝከታተሎን ዝግረመሉን ዘሎ እዩ።

ነዞም ነዚ “ዕባራ ምኽንያታት” ዝድርድሩ “እሞ ኢትዮጵያ ኮነት እተን 44 ካብአን 16 ኣብ ኣፍሪቃ ዝርከባ  ኣፍደገ ባሕሪ ዘየብለን ሃገራት ዓለም ልኡላዊ ዘይኮናን ቁጠባዊ ዕቤት ዘየርእያን እየን ማለት ድዩ?፡ ዶብ ሓንቲ ኣፍደገ ባሕሪ ዘየብላ ሃገር ናብ ካልእ ኣፍደገ ባሕሪ ዘለዋ ሃገር ቀረባ ስለ ዝኾነት ወናኒት ባሕሪ ክትከውን የኽእላ’ዩ  ማለት ድዩ?” ንዝብሉን ዝኣመሰሉን ሕቶታት መልሲ ከምዘየብሎም ብግብሪ ዝረአ ዘሎ እዩ። ምኽንያቱ እዞም ምኽንያታት ተባሂሎም ተደጋጊሞም ዝቐርቡ፡ ኣብ ዓለምለኻዊ ሕጊ ቦታ ከም ዘየብሎም ብሩህ ስለ ዝኾነ።

ነቲ ኣብ መርበብ ሆርን ረቪው ዝወጸ ጽሑፍን ሕቶ ኣፍደገ ባሕሪ ኢትዮጵያ ምኽኑይ ንምምሳል ዝደጋገሙ ሓረጋትን ኣብ ርእሲቲ ናይ መርበብ ቀይሕ ባሕሪ ቢኮን፡ ኣንበሳደር ዓንደብርሃን ወልደጊዮርጊስ ብዛዕባ ህልዊ ምፍጣጥ ኤርትራን ኢትዮጵያን፡ ምስ ቢቢሲ ኣብ ዝገበሮ ቃለመጠይቕ፡ “ብዘይካ ኣብተን ኤርትራ ብፈደረሽን ምስ ኢትዮጵያ ዝተቘረነትለን 1952-1962 ከምኡ'ውን ንፈደረሽን ብኢደ ወነኑ ብምፍራስ ሃጸይ ሃይለስላሰ ንኤርትራ ኣብ ዝጐበጠሉ እዋን ካብ 1962 ክሳብ ናጽነት ኤርትራ 1991 ኣብ ዝነበራ 39 ዓመታት፡ እዛ ሎሚ ኢትዮጵያ ትበሃል ዘላ ሃገር ገማግም ባሕሪ ወኒና ከም ዘይትፈልጥ ታሪኽ ንባዕሉ ህያው ምስክር እዩ።” ብዝበሎ ክራጐድ እንከሎ፡ “ጥራሕ ዝባኑ ከም ዝወጽእ” ርዱእ እዩ። በቲ ካልእ ወገን፡ ኣንበሳድር ዓንደብርሃን ውግእ እተተኻይዱ፡ ሳዕቤኑ ኣብ ኣብይ ጥራይ ዝድረት ዘይኮነ፡ ንህዝቢ ኤርትራ ዝኽፍሎ ዋጋ ከም ዝህሉ’ውን ከስተውዕል ነዘኻኽሮ።

ኣብዚ እዋን’ዚ ብዙሓት ብሓፈሻ ብዛዕባ ኣብ መንጎ ክልቲአን ሃገራት ዝሓለፈን ዘሎን ላዕልን ታሕትን ብፍላይ ድማ ብዛዕባ ዋንነት ኣፍደገ ባሕርን ወደብ ዓሰብን፡ ኣፍልጦን ተመኩሮን ዘለዎም ኢትዮጵያውያን፡ ብልጽግና እንተ ተጠቒምሉስ ምኽሮም ይልግሱ ኣለዉ። ኣብ ፖለቲካዊ ጉዕዞ ኤርትራን ኢትዮጵያን፡ ብደረጃ ወተሃደርነት ይኹን ብሲቪል ላዕለዋይ በዓል መዚ ኮይኑ፡ ኣብ ኤርትራ ንነዊሕ ግዜ ዝሰርሐ፡ ሻለቃ ዳዊት ወልደጊዮርጊስ  ምስክርነቶም ካብ ዝሃቡ ሓደ እዩ።

ሻለቃ ዳዊት “ርእዮት-መዲያ” ምስ ዝተባህለት ዩቱብ ብዛዕባ’ዚ ሎሚ ዝለዓል ዘሎ ኣፍደገ ባሕሪ፡ ተሓቲቱ ኣብ ዝሃቦ ምላሽ፡ “ኣነ ሓላፊ ኮይነ ብቐረባ ከም ዝፈልጦ፡ ኤርትራ ድሕሪ 1993 ናጻን ልኡላዊትን ሃገር እያ። ወድብ ዓሰብ ከኣ ካብ ግዜ ጥልያንን እንግሊዝን ጀሚራ ኣካል ኤርትራ እያ ነይራ። ሕጂ ዓሰብ ናይ ኢትዮጵያ ወደብ ክትከውን እትኽእለሉ ሕጋዊ ዕድል የለን። ኤርትራ ብድሌታ ምስ ኢትዮጵያ ብኮንፈደረሽን እንተ ሓቢራ ግና ኢትዮጵያ ተጠቃሚት ክትከውን ትኽእል እያ። እቲ ዓለም ለኻዊ ሕግታት ጥሒስካ ብሓይሊ ምውናን ዝብል ግና መዋጸኦ ኣይኮነን።”  ይብል። ሰማዒ እንተረኺቡ ከኣ ርኢቶ ሻለቃ ዳዊት ወልደጊዮርጊስ “ኣብ ባይታ ዝወድቕ ኣይኮነን።”