EPDP Editorial

ኣብ ኤርትራ ምእንቲ ዲሞክራስን መሰልን ነካይዶ ዘለና ዝተናውሐ ቃልሲ፡ ብብዙሓት ብድሆታት ዝተኸበ ምዃኑ ርዱእ እዩ። ካብቲ ብድሆታት ገሊኡ ውሽጣዊ ክኸውን እንከሎ፡ ገሊኡ ከኣ ግዳማዊ እዩ። እቲ ከቢቡና ዘሎ ወድዓዊ ብደሆታት ተጽዕኖኡ’ኳ ቀሊል እንተዘይኮነ፡ እቲ ወሳኒ ግና እቲ  በዓል ቤታዊ ብድሆ ምዃኑ ዝዝንጋዕ ኣይኮነን።

በብግዜኡ መልክዑ እናቐያየረ ኣብዚ ከባቢና ክፍጠር ዝጸንሐን ዘሎን ዞባውን ኣህጉራውን ፖለቲካውን እስትራተጅያውን ምግልባጣት መግለጺ ናይቲ ዘጋጥመና ዘሎ ወድዓዊ ተጽዕኖ እዩ። እዚ ግዳማዊ ምዕባለታት ብሕሳብ ናይቶም ወጠንቱን ዝቕየስ ስለ ዝኾነ፡ ንሓንሳብ ንረብሓ ደለይቲ ለውጢ ንሓንሳብ ድማ መሰወዲ ጉጅለ ህግደፍ ዝውዕል መሲሉ ከም ዝኽሰት እንዕዘቦ ዘለና እዩ። ንረብሓ ህግደፍ ምውዓል ጥራይ ዘይኮነ፡ ኣንጻር ናይ ለውጢ ቃልስን ረብሓ ህዝቢ ኤርትራን ዕቅፋታት ክፈጥር’ውን ጸኒሑ እዩ። እቲ ቅልጡፍ ተገላባጢ ማዕበል ናይዞም ሓይልታት ኣብ መጻኢ እውን ሓቢሩና ዝቕጽል እዩ። ኣብቲ ንረብሓና ዝዛዝወሉ ኣጋጣሚ ክንጥቀመሉ ዘይምኽኣልና ከኣ፡ ንበዓል ቤታዊ ድኽመትና  ካብ ዘርእዩ  እዩ።

ህግደፍ በብግዜኡ ብናይ ግዳም ሓይልታት ዝውገዘሉን ብእገዳታት ዝስንብደሉ ኣጋጣምታት ክፍጠር ጸኒሑ እዩ። ብኣንጻሩ ናይታ ኣስታት 120 ሺሕ ኪሎ ሜተር ትርብዒት ስፍሓት መሬት፡ 55 ሺሕ ትርብዒት ኪሎሜተር ስፍሓት ማይ ምስ ልዕሊ 300 ደሴታትን ልዕሊ ሓደ ሺሕ ኪሎሜተር ገማግም ባሕርን እትውንን ኤርትራ መዝሚዞም ንህግደፍ ከም ቀላሲ  ዞባ ቀይሕ ባሕሪ ከምስልዎ ዝደልዩ ላኣኽቲ ከም ዘለዉዎ’ውን ተገንዚብናዮ ኣለና። ከም ሩሲያን ቻይናን ዝኣመሰሉ ዓለማዊ ሓድሽ ኣሰላልፋ ክፈጥሩ ዝጽዕቱ ዘለዉ ሓይልታት ምስ ህግደፍ ዘካይድዎ ዘለዉ ምቅርራባት ኣብቲ ንሓርነት ነካይዶ ዘለና ቃልሲ ዘለዎ ወድዓዊ ተጽዕኖ ቀሊል ከምዘይኮነ ብፍላይ ኣብዚ እዋንዚ ይረአ ኣሎ። በቲ ካብ ምቁጽጻርና ወጻኢ ብናይ ገዛእ ርእሱ መስርሕ ዝመጽእን ዝኸይድን ወድዓዊ ተጽዕኖ፡ ንሕና ኣብዚ እዋንዚ ብዘለና ደረጃ ኣተሃላልዋ  ናብ ረብሓና ከነውዕሎ ዘይንኽእል፡ ዞባውን ኣህጉራውን ተጽዕኖ ዝውስኖ’ዩ።

በዓል ቤታዊ ጸገምና ወጊንና ንዝፍጠር ምዕባለ  ናብ ናይ ገዛእ ርእስና ረብሓ ናይ ምውዓሉ ሓላፍነት ናብ ካልእ ኣካል ኣላጊብና ንሃድመሉ ዘይኮነ፡ ብቃልሲ ክንውግኖ ይግበኣና። እዚ በዓል ቤታዊ ጸገምና ዝተፈላለዩ መልከዓት ሒዙ ዝቐርብን ምስ ኩነታት ዝለዋወጥን እዩ። ደረጃ ተጽዕኖታቱ ከኣ ከከም ክብደቱ ይፈላለ። እቲ  “ክሳብ ሎሚ  ዘይተዓወተ፡  ጽባሕ  ኣይዕወትን ማለት ኣይኮነን” ንብሎ ዘለና ከም ኣብነት ንምጥቃስ፡ “ኣብቲ ዘሰማመዓና ኣትኪልና፡ ነቲ ዝፈላልየና ግዜን ዕድልን ሂብና ብሓባር ንቃለሰሉ ዘተኣማምን መድረኽ”  ክንፈጥር ዘይምብቃዕና ንምዝኽኻር እዩ። ነዚ ቀዳምነት ሂብና ምጥቃስና፡ በዓል ቤታዊ ድኽመትና ዝንጸባረቐሉ፡  መሰረታዊ ሕጽረትና ዘርኢ ኣብ ርእሲ ምዃኑ፡ ንኹልና ዝምልከትን  ናይ ኩሉ ጸገማት መንቀልን ስለ ዝኾነን እዩ።

ሎሚ እውን ከም ናይ ቅድሚ ሕጂ፡ ኣንጻር ህግደፍ ተቓሊስና ንክንስዕር፡ “ዝተበተነ ዓቕምና ጠርኒፍና ሃገራዊ ሓይሊ ብምፍጣር ንቃለሰሉ ናይ ሓባር መድረኽ ይሃልወና”  ዝብል ጭረሖ፡ ብራኸኡ ዓቂቡ ይቕጽል ኣሎ። ክሳብ ክንድዚ ናይ ነዊሕ ዓመታት ቀዋሚ ጭርሖና ኮይኑ ምቕጻሉ ወሳንነቱ ዘይስገር ምዃኑ ዘርኢ እዩ። ክንድቲ ወሳኒ ምዃኑ ድማ ብናይ ኩልና ሓላፍነታዊ ቃልሲ ዝረጋገጽ እምበር ሓደን ተቓላሲ እቲ ካልእ ከኣ ተዓዛቢ ኮይና እንስለፈሉ፡ ወይ’ውን ሓደ ለማኒ እቲ ካልእ ድማ ተለማኢ እንኾነሉ ኣይኮነን። እቲ “ናይ ሓቢርና ንቃለስ” ጻውዒት መሰረታዊ ትሕዝቶኡ ተመሳሳሊ ኩይኑ፡ “ኣብኡ ንምብጻሕ ኣየናይ መንገዲ ንሓዝ?” ኣብ ዝብል ግና ፍልልያት ጸኒሑና እዩ ሎሚ’ውን ካብኡ ኣይወጻእናን። እቲ ዝሓየለ ቃልሲ ከኣ ነዚ ፍልልያት ኣቀራሪብካ ምትዕራቑ እዩ።

ኣብ በበይኑ መድረኻት እንሰምዖም ዘለና “ሓደ ዜግነት ተኮር ዝኾነ ሃገራዊ ሓይሊ ምፍጣር፡ ኣውራጃዊ ውክልና ዝመሰረቱ መንግስቲ ኣብ ስደት ምምስራት፡ ናይ ፖለቲካዊ ውድባትን ሰልፍታትን ናይ ሓባር ጽላል ምፍጣር…..ውዘተ” ካብቶም ሕቶ ሓቢርካ ምቅላስ ንክምልሱ ብውዕዉዕ ዝስምዑ ዘለዉ ድምጽታት እዮም። እዚ እማመታት ማዕረ መዋጸኦ ክኸውን ኣይክእልን እዩ። ተቐራሪብካ ብምምይያጥን ምርድዳእን ግና  ነቲ መዋጸኦ ምርካቡ  ይከኣል እዩ።

ብዛዕባ ናይ ሓባር መቃለሲ መድርኽ ክንሓስብ እንከለና፡ “ኣብ ፖለቲካዊ ኣተሓሳሳ ዝተሰረተ ውደባ ሓይሊ እዩ፡ ብዙሕነት ከኣ መግለጺ ዲሞክራሲ እዩ” ዝብሉ ኣምርራት ከይንዝንግዕ ምጥንቃቕ የድልየና። ንኣብነት  “ሓደ ሃገራዊ ሓይሊ ጥራይ ክህልወና ኣለዎ”  ምባል፡ ኣንጻርቲ ንቃለሰሉ ዘለና ብዙሕነት፡ ኣብ ምልኪ ሓደ  ውድብ ከውድቐና ከም ዝኽእል ምስትብሃል የድሊ። ካብዚ ብዘይፍለ፡ ብፍላይ ምስቲ ኣተሃላልዋ ኤርትራውያን ኣብ ዲያስፖራ፡ ደቂ ሓንቲ ኣውራጃ ተራኺቦም ወከልቶም ናብ መንግስቲ ኣብ ስደት ይመርጹ ምባል፡ ኣብቲ ተክኒካዊ ኣተገባብራኡ’ውን ርኡይ ጸገም ከም ዘኸትል ፍሉጥ እዩ። ኣብ ልዕሊቲ ኣጸጋሚ ኣተሃላልወኦም፡ ደቂ ሓደ ኣውራጃ ስለ ዝኾኑ፡ ተመሳሳሊ ድልየትን ፖለቲካዊ ኣረኣእያን ክህልዎም ከምዘይክእል ኣብ ግምት ምእታው’ውን የድሊ። ስለዚ ዘይሩዘይሩ እቲ ምርጫ ናይቲ ዝተወደበ ፖለቲካዊ ሓይልታት ኣብ መጽናዕቲ ዘትከለ፡ ብምክእኣል፡ ምጽውዋርን ሓላፍነትን ዝቕለስ ሓቢርካ እትስይሞ ጽላል ምፍጣር እዩ ዝኸውን። እዚ ኣገባብ ኣተሓሕዛ ናይ ኣተሓሳስባ  ብዙሕነት፡ ሎሚ ኣባና ዝጅመር ዘሎ ዘይኮነ ኣብ ተመኩሮ ብዙሓት ዘድመዐ  እዩ።

እዚ ናይ ውድባት ናይ ሓባር ጽላል ምምስራት ከም መዋጸኦ ኣብ ምልክት ሕቶ ዝወድቕ ዘሎ ቅድሚ ሕጂ ብደረጃ ምሕዝነት ሃገራዊ ሓይልታት ኤርትራ፡ ኤርትራዊ ዲሞክራስያዊ ኪዳንን ሃገራዊ ባይቶን ንዲሞክራሲያዊ ለውጥን ተፈቲኑ ዘይምዕዋቱ ዝፈጠሮ ስኽፍታ ምዃኑ ፍሉጥ እዩ። እወ እቲ ጽላላት ክሳብ ሎሚ ኣይተዓወተን። ናይ ዘይምዕዋቱ ጠንቂ ከኣ ናይተን ውዳበታት ወይ ብኣአተን ዝቖመ ጽላላት ጸገም ዘይኮነ፡ ናይቶም ነቲ ውድባት ኮነ ነቲ ጽላላት ከንቀሳቕስዎ ዝጸንሑ ኣካላት በዓል ቤታዊ ሕጽረታትን ከባብያዊ ተጽዕኖን ምዃኑ ኣብ ክንዲ ንሃድመሉ  ተኣሚና ከነእርሞ ዝግበኣና እዩ።

ነቲ ክሳብ ሎሚ ከሳቕየና ዝጸንሐ ሓቢርካ ናይ ዘይምቅላስ ጸገም ብቃልሲ ንክንስዕሮ እምበኣር፡ ነንገዛእ ርእስና ኮነ፡ ነቲ ብኣባልነት እንቃለሰሉ ውዳበታትና ንሓቢርካ ምቅላስ ከነዳልዎ ይግበኣና። ናይ ሓባር መንገዲ  ቃልሲ መሪጽና ጉዕዞ ምስ ጀመርና፡ ዕንቅፋት ከጋጥመና እንከሎ፡ መንገዲ ምቕያር ዘይኮነ፡ ነቲ ዘጋጠመና ዕንቅፋት ጸሪግና እንቕጽለሉ ብልሓት ክንቅይስ ይግበኣና። ስለዚ እቲ ቅኑዕ ምርጫ፡ ክሳብ ሎሚ  ዘይተዓወተ፡  ጽባሕ  ኣይዕወትን ማለት ኣይኮነን ኢልካ ንናይ ክሳብ ሎሚ ዕንቅፋታት ኣሊኻ ክትቅጽል ምብቃዕ’ዩ በሃልቲ ኢና።

ርእሰ-ዓንቀጽ ሰዲህኤ

ድሕሪ ናጽነት ብሓፈሻ ኣብ መላእ ህዝቢ ኤርትራ፡ ብፍላይ ድማ ኣብ ደንበ ተቓውሞ ኣሰሓሓብቲ ኮይኖም ካብ ዝጸንሑ ሓደ: ጉዳይ ባንዴራ ምንባሩ ዝዝከር እዩ። ናይዚ ቀንዲ ምኽንያት ከኣ ኣብ ኤርትራ ነናተን ታሪኻዊ ኣመጻጸኣን ጽልዋን ዘልወን ክልተ ባንደራታታት ስለ ዘለዋ እዩ። በዚ መሰረት ሓደ ወገን ናይታ ነባር ሰማያዊት እቲ ካልእ ድማ ናይታ ሓዳስ 3ተ ዝሕብራ ልዕልና ንምርግጋጽ ብዝፍጠር ምውጣጥ እዩ እቲ ምስሕሓብ ከጋጥም ዝጸንሐ።

እታ ኣብ ማእከላ ብ34 ኣቑጽልቲ ኣውሊዕ ዝወቀበት ሰማያዊት ዝሕብራ ተጋዳሊት ባንደራ ኤርትራ ብመሰረት እቲ ናይ 1952 ሕገመንግስቲ ኤርትራ ኣፍልጦ ዝረኸበት፡ ኣብ ግዜ ፈደረሽን ማዕረማዕረ  ባንደራ ኢትዮጵያ ዘምበልበለት እያ። እቲ ናይ ሽዑ ካብ ዝተፈላለያ ፖለቲካዊ ሰልፍታት ተወኪሉ ዝተመርጸ 68 ወናብር ዝነበሮ  ፓርላማ ኤርትራ፡ ነታ ሰማያዊት ባንዴራ ከም ምልክት ኤርትራ ንክቕበላ ቀሊል ኣይነበረን። ዝተፈላለዩ ምርጫታት ስለ ዝነበሩ ንዓኣ ተቐቢሉ ንከጽድቓ፡ ክንድቲ ትግርኛን ዓረብኛን ከም ናይ ስራሕ ቋንቋታት ንክቕበል ዝገበሮ ጻዕሪ ነዊሕ ምጽውዋርን ሓልዮትን ዘይተፈልዮ ክተዓት ኣካይዱ እዩ። እንተኾነ መንግስቲ ኢትዮጵያ ኣብ ፓርላማ ኤርትራ ብዝጸፈዮም ኤርትራውያን ኣባላት ፓርላማ ኣቢሉ መስርሕ ምፍራስ ፈደረሽን ብግህዶ ምስ ጀመረ ሰማያዊት ባንደራ ብ3 ታሕሳስ 1958 ካብ ዝነበራ ክብሪ ብዓመጽ ወሪዳ ብባንደራ ኢትዮጵያ ድማ ተባሒታ።

ምውራድ ሰማያዊት ባንደራን ምፍራስ ፈደረሽንን ፖለቲካ ኤርትራ ናብ ሓድሽ ምዕራፍ  ንክሰጋገር ካብ ዝደረኹ ተርእዮታት ነይሩ። ብረታዊ ቃልሲ ህዝቢ ኤርትራ ብ1961 ምስ ተበሰረ፡ ወያ ኣብ ከተማታት ኣብ ትካላት መንግስቲ ተምበልብል ዝነበረት ውቅብቲ ሰማያዊት ባንደራ ናይ ጽንዓት ምልክትን ኣርማን  ኮይና   ናብ ሜዳ ተሰሊፋ።  ንክብሪ እዚ ሓርበኝነታ ከኣ ኣብ ሜዳ ብዝነበሩ ወናማት ተጋደልቲ “እንቲ ሰማያዊት ኣብ በረኻዶ ሰፊርኪ ከም ኣራዊት” ተዘይሙላ። መግዛእቲ ስዒራ ብናጽነት ተሰንያ ናብ ክብራ ከም እትምለስ ንምምልከት ከኣ ብተቓለስቲ ስነ-ጥበባውያን ተጋድሎ ሓርነት ኤርትራ (ተሓኤ)፡ “ሰማያዊት ምልክት ናይ ዕድል ግዜኺ መጺኡ ዘደላድል “ ተዘሚሩላ። ናጽነት ኤርትራ ከምዘይተርፍ ዝተኣማመና ኤርትራውያን ደቂ ኣንስትዮ ከኣ ኣብ ዘዝረኸበኦ ኣጋጣምታት’ “ኣውሊዐይ ባንደራይ ስየ፡ ክሳብ ዝመጹለይ ኣሕዋተይ ክጽበ እየ” ኢለን ደሪፈናላ። ክሳብ ናጽነት ድማ ኣርማን ጽላልን ኮይና ቀጺላ። ናጽነት ክብሰር እንከሎ ከኣ ኤርትራዊ ካብቲ ብምስጢር ዓቂብዋ ዝጸንሐ እናውጸአ ክሳብ ብ1993 እትትካእ ኣምበልቢልዋ።  እነሆ  ሎሚ ድማ ቃልሳ ምእንቲ ሓርነት፡ ዲሞክራስን  መሰረታዊ መሰላትን  ትቕጽል ኣላ።

ድሕሪ ረፈረንደም ኤርትራ ብ24 ጉንበት 1993 እዛ ብሰለስተ ስሉስ ኩርነዓት ዝቖመት ሰማያዊ፡ ቀይሕን ቀጠልያን ዝሕብራ፡ ኣብ ማእከላ ወርቃዊ ሕብሪ ቆጽሊ ኣውሊዕ ዘለዋ ባንደራ፡ ኣብ ውድብ ሕቡራት ሃገራት ተሰቒላ ወግዓዊት መለለይት ኤርትራ ናይ ምዃን ሕጋውነት ረኺባ። እዛ ዳሕረወይቲ ባንደራ ብውሳነ ሓደ ውድብ ምናልባት’ውን ብናይ ሓደ ውልቀሰብ፡ ብዘይ ቀጥታዊ ይኹን ዘይቀጥታዊ ተሳትፎ ህዝቢ ኤርትራ ዝተወሰነት፡ ሕገመንግስታዊ መሰረት ዘየብላ እያ። እንተኾነ ብሳላ ናይ ታሪኽ ትዕድልታ ኣብ ሕቡራት ሃገራት ስለ ዝተሰቕለት  ኣህጉራዊ መለለይት  ሃገረ ኤርትራ ክትከውን ግድን ኮይኑ።

ስለዚ ክልቲአን ባንደራታት እታ ቀዳመይቲ ብዘለዋ ታሪኻውን ሓርበኛውን ክብሪ፡ እታ ዳሕረወይቲ ከኣ ብዝረኸበቶ ተቐባልነት ኣድለይቲ ኮይነን ኣለዋ። ኣብ መንጎአን ዝነበረ ናይ ኣጠቓቕማ ፍልልይ ንምትዕራቕ ቀሊል ኣይነበረን። ሰልፊ ዲሞክራሲ ህዝቢ ኤርትራ (ሰዲህኤ) ናይ ክልቲአን ታሪኻዊ ውድባት ተጋድሎ ሓርነት ኤርትራን ህዝባዊ ግንባር ሓርነት ኤርትራን ድሕረባይታ ዘለዎም ኤርትራውያን ሓቢሮም ንሰላም፡ ልምዓትን ዲሞክራስን ሓዳስ ኤርትራ ንክቃለሱ ዘለዎ ኣገዳስነት ኣብ ግምት ብምእታው፡ ነቲ ፍልልያት ንምዕራቕ ሓያል ጻዕሪ ኣካይዱ እዩ። ክሳብ ህዝቢ ኤርትራን ዝተፈላለዩ ውዳበታቱን ብናይ  ሓባር ዲሞክራሲያዊ ተሳትፎኦም “ናትና እዩ” ዝብልዎ ሕገመንግስቲ ወኒኖም ብኡ መሰረት ባንደራ ዝቐርጹ፡ ክልቲአን ባንደራታት ኣርማ ናይቲ ሰልፊ ክኾና ወሲኑ።

ሰዲህኤ ነዚ ብምውሳኑ ዘጋጠሞ ብድሆታት’ኳ እንተነበረ፡ ሎሚ ግና እዚ ውሳነ’ዚ ዳርጋ ብኹሉ ደንበ ተቓውሞ ኤርትራ ተቐባልነት ረኺቡ ዝትግበር ዘሎ እዩ። እዚ ጥራይ ዘይኮነ፡ ሰዲህኤ ሰማያዊ ሕብሪ ከም መለለይኡ ውሲዱ፡ ኣብ ቅዋሙ ኣብ  ናይ መላለይ  ዓንቀጽ 1.2 መለለይ ሕብሪ ሰዲህኤ ሰማያዊ እዩ።  ትርጉሙ ከኣ፡ ንሰላም፡ ህድኣት፡ ንልምዓትን ብልጽግናን፡ ንጸጋታት ባሕሪ ኤርትራን ንተስፋታት መንእሰይ ሃገር፡ ከምኡውን ንሕሉፍ ተመክሮ ቃልሲ ህዝቢ ይገልጽ”  ዝብል ቀዋሚ ሕጡብ ኣስፊሩ’ሎ። ብዘይካዚ ካብ ጠቕላላ ጉባአታቱ ጀሚሩ ክሳብ ፈስቲቫላቱ፡ ብሰውራዊ ባይቶ ዝተጀመረ ብምቕጻል፡ ንሰማያዊ ሕብርን  ቆጽሊ ኣውሊዕን ብደረጃ ማልያ፡ ቆቢዕን ካልእ ምልክታትን ብቐጻሊ ከም መለለይኡ የንጸባርቕ።

 ሰማያዊት ባንደራ ካብ ግዜ ብረታዊ ቃልሲ ኣብ ልቢ ተጋዳላይ ዝነበራ ቦታ ኣዝዩ ዓሚቕ እዩ። ተጋዳላይ ክንቀሳቐስ እንከሎ ኣምሪሑዋ ይጐዓዝ። ዕድል ክረክብ እንከሎ ኣብ ቀዋሚ ቦታ እውን ምልክት ቃልሱ ገይሩ ሰቒልዋ። ኣብ ከም ጽንብል ምጅማር ሰውራ ኤርትራን ካልእ መድረኻትን ድማ ክቡር ቦታ ሂብዋ። ንምስቃላ ኩነታት ኣብ ዘይፈቅደሉ ከኣ ብኽብሪ ዓጺፉ ኣብ ሳንጥኡ ከም ናይ ዓይኑ ብሌን ዓቂብዋ ተንቀሳቕሱ። ከምዚ ሎሚ ባንደራ ኣዚዝካ ኣብ ሓጺር ግዜ ብቐሊሉ ናይ ምርባሕ ተኽእሎ ኣብ ዘይነበረሉ እዋን ከኣ፡ ካብ ከተማታት ብምስጢር ሰማያዊ ዓለባን ቀጠልያ ፈትልን ገዚኡ ብወሓላሉ ደቂ ኣንስትዮ ኣጥሊፉ ይሰርሓን ይሕብሕባን ነይሩ። ምስዚ ግና ገለ ወገናት ሕገመንግስታዊ ድሕረ-ባይታኣ ብምዝንጋዕ “ብሕቡራት መንግስታት ዝተተኹበትልና’ያ” ብዝብል ምስምስ ክብራ ከጉድሉ ክፍትኑ ይስምዑ እዮም።  ካብዚ ሓሊፎም’ “ባንንደራ ጀብሃ”  ብዝብል ከጽብብዋ ዝደናደኑ  ኣይሰኣኑን።

ኣብዚ እዋንዚ ሰማያዊ ሕብሪ ናይዛ ባንደራ ጥራይ ዘይኮነ፡  ክሳብ ናይ ክዳን ኮይና  ሸነን ክትብል ንዕዘባ ኣለና። ማዕበል ብሪገድ ንሓመዱ ምስ ሰማያዊ ሕብሪ ምዕሳሉ፡ ኣሰር ኣያታቱን ታሪኽ ቃልሶምን ከም ዝሰዓበ ካብ  ዘመልክቱ ሓደ እዩ። ጽልዋ ሰማያዊ ሕብሪ ኣብ ኤርትራ ከምቲ ንገለወ ወገናት  ሎሚ ዝጅመር ዘሎ ዝመስሎምን ኣይኮነን። እቲ ናይ ብሪገድ ንሓመዱ ንሰማያዊት ባንደራ ምስ  ማሕበረሰብ ዓለም ዝያዳ ንምፍላጣ ዝገብሮ ምንቅስቓስ፡ ነቲ ነዊሕ ሓርበኛዊ ድሕረ-ባይታኣ ኣብ ሜዳን ከተማታትን ኤርትራ ዘንጊዕካ፡ ሎሚ ኣብ ኣደባባያት ዲያስፖራ ከም ዝጀመረ ኣምሲልካ ምውሳዱ፡ ነቲ ዝያዳ ክሰርጽን ክዓኩኽን ዝግበኦ  መስርሕ ምትኽኻእ  ከይሃሲዮ ብልቦና ምስትውዓል ዘድልዮ እዩ።

ብዓብይኡ ክረአ እንከሎ ከኣ’፡ ሎሚ ኣድህቦናን ቃልስናን ኣብ ምውድዳርን ምትህልላኽን ብጉዳይ ባንዴራታት ዘይኮነ፡ ጨቛኒ ስርዓት ህግደፍ ኣወጊድካ፡ ኣብ ክንድኡ ህዝቢ ኤርትራ ዝቕበሎ ቅዋማዊ ስርዓት ምትካል ክኸውን እዩ ዝግበኦ። 

ቤት ጽሕፈት ዜና ሰዲህኤ

ህዝቢ ኤርትራ፡ ኣንጻር ህግደፍ ዝቃለስ፡ እንታይ ንምርግጋጽ ምዃኑ፡ ብተደጋጋሚ ዝተገልጸ እዩ። ህግደፍ እውን ኮነ ኢሉ “ጸማም እዝኒ” ንምሃብ እንተዘይኮይኑ፡ ብህዝቢ  እንታይ ክገብር ይሕተት ከም ዘሎ ኣዳዕዲዑ ዝርደኦ እዩ። ህግደፍ ሕቶ ህዝቢ ኤርትራ ንዘይምምላስ ካብ ዝጥቀሞም ብዙሓት ተንኮለኛ ሜላታት ንህዝቢ ቀዳምነቱ ዘረስዕ መህደሚ ኩነት ፈጢርካ ቅድሚት ምስራዕ እዩ። ብፍላይ ከኣ ናብ  ልኡላውነትን ናጽነትን ኤርትራ ዘነጻጸረ ዘሰንብድ ስግኣት ከም ዝተፈጥረ ኣምሲካ ምቕራብ ሓደ ካብቲ  ሜላታቱ እዩ። ብተደጋጋሚ ኣብ ባይታ ዘየለ ሓደጋ ፈጢርካ ምስ ናይ ቀረባን ርሑቕን ሓይልታት ውግእ ብምኽፋት ክሕንክሮ ዝጸንሐ “ደጊም ይኣክል” ክበሃል  ዝግበኦ  መምሃሪ ተመኩሮ እዩ።

ህዝቢ ኤርትራ ኣብ መዳይ ፖለቲካ ቀዳምነት ሰሪዑ ካብ ዝቃለሰሎም ጠለባት፡ ሕገመንግስታዊ ምምሕዳር ናይ ምርካብ መሰረታዊ መሰል ሓደ እዩ። በዚ ሕገመንግስቲ ዝተዋሕሰ መሰል ምውዳብ፡ ሓሳብካ ምግላጽን ምጽሓፍን ከምኡ እውን ኣድላይ ኣብ ዝበልካዮ መድረኽ ተወዲብካ ናይ ምቅዋም መሰል ጠልብ ኣለዎ። ኣብ ርእሲዚ ልዕልናን ወሳንነትን ህዝቢ ዝረጋገጸሉ ካብ ታሕቲ ክሳብ ላዕሊ ዝዝርጋሕ ዲሞክራሲያዊ ምርጫታት ከካይድ ካብቲ ዝቃለሰሉ እዩ። ኢሳያስ ነዚ ጠለባት ህዝቢ፡ በቲ ምስ ጐደልኡ ክትግበር ትጽቢት ተነቢርሉ ዝነበረ ናይ 1997 ሕገመንግስቲ “ከይተተግብረ ዝሞተ ሰነድ እዩ”  ምስ በሎ፡ ንተስፋታትን ትጽቢታትን ህዝቢ ኤርትራ ሓንሳብን ንሓዋሩን ኣጸልሚትዎ እዩ።

ኣብ ቁጠባዊ መዳይ ህዝቢ ኤርትራ ዘተኣማምን ሰላም ተፈጢሩ ብመንፈስ “ንገድ ነጋዳይ፡ ሕረስ ሓረስታይ” በብዘለዎ ዓቕምን ጥሪትን ኣብ ገዛእ ሃገሩ ከውፍር ይብህግ። ህግደፍ ግና ዕላምኡ  ጸረ ባህጊ ህዝቢ ስለ ዝኾነ፡ ከም መንግስቲ  ኣብቲ ዜጋታት ክዓምዎ ዘይክእሉ ጥራይ ከውፍር ቅሩብ ኣይኮነን። ሓረስታይ ዋና መሬቱ ኮይኑ፡ ሓሪሱ ንገዛእ ርእሱ ተቐሊቡ ዝተረፈ እቶቱ ናብ ዕዳጋ ዘውርደሉ ኩነታት ክጣጣሑሉ ይጽበ ነይሩ። ብዘይካዚ ነቲ ኣብ ህልውና ሕብረተሰብ ወሳኒ ግደ ዘለዎ ምህናጽ መጽለሊ ኣባይቲ’ኳ ብኤርትራውነቱ  ዕድል ዝኸፍተሉ ባብ ምርሓው ኣብ ግምት ክኣቱ ካብ ዘይተተግበሩ ሃንቀውታ ህዝቢ ኤርትራ እዩ።

ኣብ ማሕበራዊ ኩነታት ብፍላይ ኣብ መዳያት ትምህርትን ሕክምናን ህልውናን ቀጻልነትን ሕብረተሰብ ኤርትራ ካብ ዝውስኑ እዮም። ስለዚ ህዝቢ ኤርትራ ደቁ ካብ ስድራቤቶም ከይረሓቑ ካብ ወተሃደራዊ ተጽዕኖ ናጻ ኮይኖም ትምህርቶም ዝቕጽልሉ ባይታ ክፍጠር ሓደ ካብ ዝተቓለሰሉ እዩ። ሕክምና ብቐጥታ ከም ህዝቢ ህልውና ዝውስን እዩ። ኣብዚ መዳይዚ መጀመርያ መንግስቲ ኩነታት ብምጥጣሕ ሓላፍነቱ ክፍጽም ህዝቢ ተጸብይዎ። ንሱ ኣብ ዘይዓመሞ ከኣ ዓቕሚ ብዘለዎም ኤርትራውያን ዜጋታት ንክምላእ መንግስቲ ኩነታት ከጣጥሕን ሓላፍነት ክወስደሉን ዝነበሮ  ነይሩ።

ብግብሪ ኣብ ኤርትራ ኩሎም እዞም ዝተጠቕሱን ካለኦትን ጠለባት ህዝቢ ካብ መጀመርታኡ ዝበኾሩ እዮም ጥራይ ዘይኮነ፡ ህግደፍ ይምልከተኒ እዩ ኢሉ ኣልዒልዎ’ውን ዘይፈልጥ ዛዕባ እዩ። እቲ ህግደፍ ኣብ በበይኑ መድረኻት ብሕገመንግስቲ፡ ብምርጫን ዲሞክራሲን ዝሕጭጮ ናይ ዘይምግዳሱ መርኣያ ጥራይ ዘይኮነ፡ ካብ ብዓንተብኡ ዕላማኡ ዘይምንብሩ ዘርኢ እዩ። እቲ ኤርትራውያን ኣብ ገዛእ ሃገሮም ኣብ ቁጠባ ምውፋርስ ይጽናሕ እሞ፡  ነባር ጋራጃት፡ ድኳናትን መሰል ናእሽቱ ትካላትን ንምዕጻው በብግዜኡ ዝወሰዶም ስጉምትታት ምዝካር ይከኣል። ካብዚ ሓሊፉ ንህዝቢ ኤርትራ ናይ “ድኳናት ሕድርን 09ን” እሱር ንክኸውን ዝፍጽሞ በደላት ካልእ መርኣያ እዩ። ኣብያተ-ትምህርቲ ናብ ሳዋ ኢደን ሂበን ንክጭፍለቓን ስርዓተ-ትምህርቲ ብውትህድርና ክቃነን ንርእዮ ዘለና እዩ። ህዝቢ ኤርትራ ብሰንኪ ኣብ ዓዱ መባእታዊ ሕክምናን መድሃኒትን ክረክብ ዘይምኽኣሉ፡ ኣብ ኣዲስ ኣበባ፡ ካምፓላ፡ ኢስታንቡልን ካልእ ከተማታትን ከርተት ዝብሎ ዘሎ፡  ህግደፍ ጉዳይ ህዝቢ ጉዳዩ ከምዘይኮነ ዘመልክት እዩ።

ህግደፍ ኤርትራዊ ዘቤታዊ ጨቋኒ ተግባሩ ንምሕባእ፡ ናብ ደገ ንምምዕዳው ናይ ነዊሕ ግዜ ተመኩሮኡ ምስ ወተሃደራዊ ኢድ ኣእታውነትን ብቐጥታ ውግእ ብምኽፋትን ዝዛመድ እዩ። ሎሚ ድማ ኣብ ርእሲቲ ከም ካልእ ገጽ ናይቲ ወተሃደራዊ ኢድ ኣእታውነቱ፡ ሜላ ቀይሩ ናብ ቁጠባዊ መዳህለሊ ሜላ ምምራጽ ዝኣተወ ይመስል። ኣብዚ ቀረባ መዓልታት ምስ ኢጣልያውያን ላዕለዎት ሓለፍትን ኣውፈርትን ዝርአዮ  ሕግብግብ ከም ኣብነት ዝጥቀስ እዩ። እዞም ኢጣልያውያን ኣውፈርቲ ኣብ ምምዕባል ወደባትን ዝርጋሐ ትሕተ-ቅርጻን ከም ዘተኩሩ ከተንብሁ ሰሚዕናዮም ኢና።

ብዓብይኡ እዚ ኣብ ዓድኻ ኣልሚዕካ ንገዛእ ርሽኻን ህዝብኻን ናይ ምጥቃልም መሰል ጠቕሊሉ ዝኸሓደ ህግደፍ፡ ምስ ናይ ወጻኢ ኣውፈርቲ ምውድኽዳኹ ኣብ ቅድሚ ሕብረተሰብ ዓለም ዝተበላሸወ ምስሉ ናብ ምጽብባቕ እንተዘይ ኮይኑ፡ ቁጠባዊ ሕቶ ህዝብና ናብ ምምላስ ዘድሃበ ከምዘይኮነ ብሩህ እዩ። ምኽንያቱ ነዚ ዝጸውር ባህሪ ስለ ዘየብሉ። መንግስቲ ጣልያን ቅድሚ ሕጂ’ውን ነዚ ዝባሃል ዘሎ ፕሮጀክት ብ60 ሚልዮን ዶላር ንምትግባሩ ወጢኑስ፡ ብናይ ህግደፍ “እቲ ገንዘብ ሃቡና ባዕልና ክንሰርሖ ኢና” ብሃልነት  ንድሕሪት ተመሊሱ እዩ።

ናይ ሎሚ  ህልዊ ኩነታት ኤርትራ፡ ኣይኮነንዶ ንናይ ውጻኢ ኣውፈርቲ ጠለብ ክጸውር፡  ብሰንኪ ህግደፍ ዝደረኾ ግዱድ ውትህድርናን ጽዑቕ ስደትን ዕለታዊ ናይ ሓጐስን ሓዘንን ማሕበራዊ ተርእዮ ዝዓምም ብቑዕ ሓይሊ ሰብ ኣብ ዘየብሉ፡ ቀረብ ጸዓትን መራኸብታትን ኣብ ዝተደረተሉ፡ ብሕገመንግስቲ ዝተዋሕሰ ሕጊ ወፍሪ ኣብ ዝበኾረሉን  ቀጥዒ ዘየብሉ ጸጥታዊ ምቁጽጻርን ሸፈጥን ናይቲ ጉጅለ ተወሲኽዎ፡ ኣብ ኤርትራ  ዝሰልጥ ናይ ግዳም ወፍሪ ክህሉ ዝግመት ኣይኮነን። በቲ ካልእ ወገን ብህዝቡ ዘይተኣምነ ጉጅለ ብናይ ወጻኢ ኣውፈርቲ ክእመን ዘለዎ ተኽእሎ ኣዝዩ ጸቢብ እዩ። 

ምናልባት ከምቲ ኣብ ከተማ ኣስመራ ከባቢ ሰንበል ኣሎ ዝበሃል “እንዳ ኮርያ”  እናተባህለ ዝጽዋዕ ምስ መሰረታዊ ድሌትን ዓቕምን ሓፋሽ ህዝቢ ዘይመጣጠን ህግደፍ ግና ዝፍክረሉን ንወጻእተኛታት እናካረየ ካዝናኡ ዘህጥረሉን ርሻናት ይህነጽ ይኸውን። እዚ እዩ ከኣ እቲ “ቀዳምነት ህዝቢ ኤርትራ፡ ናይ ወጻኢ ኣውፈርቲ   ኣይኮኑን” ዘብል። ስለዚ ህዝቢ ኤርትራ ሎሚ እውን በዚ ዘብለጭልጭን ንሃልኪ ዝቃላሕን ዜናታት ከይተደናገረ፡ በቲ መሰረታዊ ሕቶታቱ ኣብ ኩሉ መዳያት ንምምላስ  ሒዝዎ ዘሎ  ቃልሱ ንክትቅጽል ጻዋዒትና እዩ።

ርእሰ ዓንቀጽ

ኣብ ቃልሲ ንሓርነት ተጸሚድና ዘለና ኤርትራውያን ሃገርናን ህዝብናን  ክኾንሉና እንደልዮም ብዙሕ ባህግታት ኣለዉና። ሰላም፡ ልምዓትን ዲሞክራስን ዝሰፈና፡ ህዝባ ዓው ኢሉ ዝዛረበላን እግሩ መሊኡ ዝረግጸላን ሃገር ክትኮነልና ንብህግ። ኤርትራ ብቕዋም እትመሓደር፡ ብህዝቢ ብዝተመርጹ ኣካላት  እትምራሕ፡ መንግስታዊ ትካላት ዝሰርሑላ፡ ልዕልና ፍትሒ ዝተረጋገጸላን ህዝቢ ልዕሊ መንግስቲ ዝበረኸላን  ክትኮነልና እውን እንቃለሰሉ ዘለና ዕላማ እዩ። ምስ ጐረባብታ ኣብ ናይ  ሓባርን ምክራን ዝተሰረተ ዝምድና ክህልዋ ነማዕዱ። እዚ ስለ ዝበኾረ ኢና ከኣ ኢና ኣብ ቀጻሊ ናይ ሓርነት ቃልሲ ዘለና።

እዚ ባህግታት’ዚ፡ ንውሱናት ደገፍትን መሳርሕን ህግደፍ ገዲፍካ፡ ናይ መላእ ኣብ ዓዲ ይኹን ኣብ ወጻኢ ዘሎ ህዝቢ ኤርትራ እዩ። እቲ ንምዕዋቱ ዝግበር ዘሎ ቃልሲ እውን ናይ መላእ ህዝቢ እምበር፡ ናይ ውልቃውያን እሞ ጽልኢ ዝወለዶ ኣይኮነን። እቶም ብዙሓት ሓቢርና ተቓሊስና ሓቢርና ክንዕወት እንብህግ ቅድም በብውልቅና ከነዕርዮ ዝግበኣና ኣካይዳን እነተኣታትዎ ሃናጺ ኣተሓሳስባን ኣሎና። ነናትና ከየዕረና ናይ ካለኦት ከነዕሪ ምጽዋዕ ኮነ ምጭራሕ ግና ኣየድምዕን እዩ። ምኽንያቱ እቲ ካለኦት ክገብርዎ እንደልዮ ካባና ክጅምር ግድን ስለ ዝኾነ።

ኤርትራውያን ተቓልስቲ ናብ ሓርነት ንምብጻሕ ዘለና ናይ ኣተሓሳስባ ፍልልይ ኣብ ቦታኡ ኮይኑ፡ ሓደ ካብ ዝገብሩና ድማ ኤርትራዊ ልኡላውነትና፡ ህግደፍ ክውገድ ዘለና እምነትን ንመጻኢ ራህዋ ህዝብና ዘለና ተስፋን ትጽቢትን ከኣ ካብቶም ብዙሓት ንኣብነት ዝጥቀሱ እዮም። ካብዚ ሓሊፉ ነናይ ገዛእ ርእስና፡ ሃይማኖትን ቋንቋን ወሲኽካ መለለይታትን ስምዒታት’ውን ኣለዉና። እዞም መለለይና ስምዒታት ደረት ሰጊሮም ልዕሊ እቶም ከም ኤርትራዊ ናይ ሓርነት ሓይሊ ሓደ ዝገብሩና ከይስርዑ እሞ መንገድና ከየስሕቱና ብግቡእ ከነመሓድሮም ይግበና። ካብቲ ክንዋሰኣሉ ዘለና ሰፊሕ ናይ ሓባር ዓውዲ  ከየውጽኡና እሞ ዓቕምና ከይብተን ከኣ ምስትውዓል የድልየና።

እዞም ብግቡእ እንተዘይተመሓዲሮም፡ ሓድነትና ኣዳኺሞም ኣንጻር ወጽዓ ተኣማሚና ከይንወፍር ከዕንቅፉና ዝኽእሉ ስምዒታት ካብ ነዊሕ ግዜ ጀሚሮም ክፈታተኑና ዝጸንሑን ጋና ክሳብ ሎሚ ሓንሳብን ንሓዋሩን ዘይሰዓርናዮምን እዮም። ጸላእትና እውን ከዳኽሙና ካብ ዝኽእልሉ  መንገድታት ሓደ ሕድሕድና ዘሪጎም ዘይምትእምማን ምፍጣር ምዃኑ ብምእማን ካብ ነዊሕ ግዜ ጀሚሮም ክሰርሕሎም ፈቲኖም ግና ሳላ ጽንዓትና ኣይተዓወቱን።

እንተኾነ ሎሚ እውን ህግደፍ ንፍልልያትና መዝሚዙ ካብ ምስዋር ዓዲ ኣይወዓለን። ኣብዚ እዋንዚ እቲ ቀደም ኣብ ግዜ ብረታዊ ቃልሲ ከይተረፈ ስዒርናዮም ኔርና ካብ እንብሎም ሓደ ዝኾነ ኣውራጃዊ ስምዒትን ምውጣጥን ኣብ ውሱን ኩርናዕ ኣጀንዳ ኮይኑ ከዛርብ ንዕዘቦ ኣለና። ሃይማኖት ብግዲኡ ኣብ ተመኩሮ ቃልስና ኣጀንዳ ዝኾነሉ ኣጋጣምታት ከም ዝንነበረን ጋና ሎሚ’ውን ኣሰራቱ ውልዕ ጥፍእ ክብል እንዕዘቦ ዘለና  እዩ።  እቲ ኩነታት ብፍላይ፡ ኣብቲ ብዕድመ ጥራይ ዘይኮነ፡ ብኣተሓሳስባ በሊጹ ካብ ጸቢብ ስምዒታት ነጺሁ ሓቛፊ ስምዒት ብምፍጣር ሓቀኛ ተረካቢ ሕድሪ ሓርበኛታቱ ክኸውን እንጽበዮ መንእሰይ ከምዚ ዝኣመሰለ ጸቢብ ስምዒታት ምንጽብራቑ፡ ኣብ ክንዲ ንቕድሚት ንስጉም ንድሕሪት ንምለስ ከም ዘለና ዘመልክት ስለ ዝኾነ፡ ኣዝዩ ዘሻቕልን ግዜን ዕድልን ክወሃቦ ዘይግባእን እዩ።

እዚ ንድሕሪት ከይመልሰና እሞ ሓድነትና ላሕሊሑ መፍቶ ህግደፍ ኣዕንገልቱን ከይንኸውን ዝፍትነና ዘሎ ስምዒት ብውልቀሰባት ዝንጸባረቕ ዘሎ እዩ ተባሂሉ እምብዛ ኣየሰክፈናን ይኸውን። እንተኾነ ብዓንተቦ ከካብ ውልቅና ጀሚርና ክሳብቲ ንቃለሰሉ ዘለና ውዳበታት ተቐላጢፍና እንተዘይወጊናዮ ናብ ውዱብ ኣፍራሲ ደረጃ ዘይሰግረሉ ምኽንያት የለን። እዚ ጉዳይዚ ዘየሻቕሎ ናይ ለውጢ ኣካል ከም ዘየለ ከኣ ፍሉጥ እዩ። እንተኾነ ብኽንድቲ ንሻቐሎ ደረጃዶ እቲ ፍታሕ ኣብ ኢድ ካለኦት ጥራይ ዘይኮነ፡ ምስ ነፍሲ ወከፍና እውን ከም ዘሎ ተረዲእና ንሓስበሉን ንንቀሳቐሰሉን ኣለና ዝብል ዘተሓሳስብ እዩ። ካብዚ ብምንቃል ኢና ከኣ “ንገዛእ ርእስኻ ከይዓረኻ፡ ኣይተዕርን ኢኻ” እንብል ዘለና።

ህግደፍ ንምውጋድ ኣብ እንገብሮ ዘለና  ቃልሲ ናይ ሓባር መድረኽ ከም ዘድልየና ናይ ነዊሕ ግዜ ባህግና እዩ። ኣብ ግብሪ ንምውዓሉ ካብ ምንቅስቓስ እውን ዓዲ ኣይወዓልናን። ዘመዝገብናዮ ዓወት ግና ትሕቲ ባህግና እዩ። እቲ ብምሉእ ዓቕምና ከይንስጉም ዓንቂፉና ዘሎ ምኽንያት ካባና ወጻኢ ምስ ካለኦት ዝህሉ ጥራይ ኣይመስለናን። ስለዚ ነቲ ዕንቅፋት ንምጽራግ ኣብ ኢድና ብዘሎ ዓቕሚ ብዘይምጥቃምና ኢና ንፍተንን ንጽገምን ዘለና። ምስዚ ግና ንሕና እንተደኣ ዕድል ሂብናዮ፡ እቲ ኣንጻሩ ንቃለስ ዘለና ጉጅለ ህግደፍ እውን ከምዘይንቀራረብ ካብ ምግባርና ዓዲ ኣይውዕል እዩ። ዕምቆት ናይቲ ኣጻርና  ዝፍሕሶ ተንኮላት ክሳብ ክንደይ ምዃኑ እንርዳእ ግና፡ ንሕና ካብ ታሕቲ ጀሚርካ ክሳብ ላዕሊ፡ ብደረጃ ውልቂ ኮነ ብደረጃ  ውዳበታትን ማሕበራትን ኩሉ ክንዓሞ ዝግበኣና ምስ ዓመምና እዩ።

ካብዚ ሓሊፉ ባዕልና ከነዕርዮ ዝግበና ከየዕረና፡ ኣጻብዕትና ናብ ህግደፍን ካልኦትን ምቕሳር ጥራይ ፍታሕ ዘምጸኣልና ኣይኮነን። ናይቲ ናይ ክሳብ ሎሚ ቃልስና በቲ ንብህጎ ኣቕጣጫን ቅልጣፈን ዘይምስጓሙ፡ ጠንቅታቱ ብዙሓት ከም ዝኾኑ ርዱእ ኮይኑ፡ ግብራዊ ምንቅስቓስና ማዕረቲ ንብህጎን ንጭርሖን ዘይምዃኑ ግና ቅድሚት ክስራዕ ዝግበኦ እዩ።

ርእሰ-ዓንቀጽ ሰዲህኤ

ኤርትራ ብመስዋእቲ ጀጋኑኣን መስተንክራዊ ጽንዓት ህዝባን እያ ናጻ ኮይና። ስለዚ ኣይኮነንዶ ክንዲ ህይወት ዝኣክል ክቡር ዋጋ ንዝኸፈለ፡ ካብኡ ንታሕቲ ጽቡቕ ንዝገበረልካ እውን ምምስጋን ግቡእ ስለ ዝኾነ “ብሳላኹም ልኡላዊት ሃገር ወኒንና ኢና እሞ፡ ክብርን መጎስን ንዓኻትኩም ይኹን፡ ኣብ ዘለኹምዎ ቅሰኑ፡ ብህግደፍ ንዝተጠለመ ሕድርኹም ከኣ ከነዐውቶ ኢና”፡  ክንብሎም ግቡእ እዩ። ዝኽሪ ስዉኣት ኣበይን መዓስን ብወግዒ ክትዝክሮ ከም ዝግበኣካ ምውሳን ቅቡል እዩ። ብመንጽርዚ ኤርትራውያን ሰማእታት ዝዝከሩላን ዝምስገኑላን ዕለት ክህልዎም መን ወሲንዎ ብዘየድስ፡ ዝቃወሞ የለን። ቅድሚ ሕጂ እውን ብፍላይ ብተጋድሎ ሓርነት ኤርትራ ሰውራዊ ባይቶ፡  ባሕቲ ታሕሳስ መዓልቲ ሰማእታት ኮይና ክትዝከር ጸኒሓ እያ። ምኽንያት መንቀሊኣ ድማ ድሕሪ ኢትዮጵያዊ ጀነራል ተሾመ እርገቱ ብ1970 ኣብ ከባቢ ሃብረንቃቓ ብድብያ ተበዓት ተጋዳልቲ ተሓ ብምቕንጻሉ፡ “ሕነኡ ንምፍዳይ”፡ ኣማኢት ሲቪል ኤርትራውያን ኣብ በሲግድራን  ዖናን ከባቢ ከረን ብሰራዊት መግዛእቲ ተቐቲሎም  ዓዶምን ንብረቶምን ነዲዱ ዝሃለቑላ ዕለት ስለ ዝኾነት።

መዓልቲ ሰማእታት ኣብ ልቦና ኩሉ እትሓድርን ኣብ ዝተፈላለያ ውድባት ኣብ መሳርዕ ቃልሲ ንዝተሰውኡ ዕጡቓትን ሲቪልን ኤርትራውያን እተማእክልን ንከትከውን፡  ኩሎም ኤርትራውያን ዝሰማምዕላ ብሕገ መንግስቲ ዝተደገፈት ምኽንያታዊት መዓልቲ ምግባራ ኣገዳስነቱ ዕዝዙ እዩ። ድሕሪ ናጽነት ኤርትራ ቀዳምነት ክወሃቦም ካብ ዝነበሩ  ዛዕባታት ሓንቲ ክትከውን ምተገበኣ። እንተኾነ ብሰንኪ ዘይግሉጽን ዘይሓላፍነታውን በሓቲ ኣካይዳ ህግደፍ፡ ከምቲ ካልእ መድረኽ  እሂንምሂን  ዘይተፈጥረሉ ዛዕባታት፡  መዓልቲ ሰማእታት 20 ሰነ’ውን ብወግዒ ዝመጸት ኣይነበረትን።

20 ሰነ ጓይላ፡ ጃህራን ዳንኬራን ህግዲፍ ንምድማቕን ንሸፈጥን ዘይኮነ፡ ንክብሪቲ ዘይሃስስ ሕድሪ ሰማእታት ብንጹህ ሕልና ምዝካራ ኣገዳሲ ነይሩ። ዝያዳ ንምዕዛዙ፡ ኤርትራዊ ሰማእትነት ነቶም ኣብ ዓውዲ ውግእ ዝተሰውኡ ጥራይ ዝምልከት ዘይኮነ፡ እንተላይ እቶም ኣበይን መዓስን ብዘየገድስ ምእንቲ ኤርትራን ናጽነታን ዝወደቑ ኩሎም ኤርትራውያን ጀጋኑ ዘጠቓልል እዩ። ብመንጽርዚ እቲ ልዕሊ 60 ሺሕ እንዳተባህለ ዝጥቀስ ቁጽሪ ኣብ ብረታዊ ቃልሲ ኣብቲ ወተሃደራዊ ሜዳ ናብ ዝተሰዉኡ ጥራይ ዘተኩር ኮይኑ፡ እዚ እውን  ኣዝዩ ውሑድን ሓደ ሸነኻውን  ምዃኑ፡ ብዙሓት ነዚ ዛዕባ ቆላሕታ ዝህቡ ኣካላት ዝሰማምዕሉ ኣይኮነን።

መዓልቲ ሰማእታት እቲ ቀንዲ ዕላማኣ  “ሕድሮም ክሳብ ክንደይ ተኸቢሩ?” ዝምዘነላን ኣብ መጻኢኸ እቲ ዝተጠልመ ሕብሮም ብኸመይ ይትግበር ዝትለመላን ቃል ዝእተወላን ክትከውን ምተገበአ። መራሒ ጉጅለ ህግደፍ ግና ብኣንጻሩ ኣብዛ ንክብሮም ባዕሉ ዝወሰና  ዕለት እዩ ብኣዋጅ ዝጠለሞም። ብ1991 ኣብዛ ዕለት ድሕሪ 25 መዓልታት ናጽነት ኣብ በኹሪ መግለጺኡ ድሕሪ ናጽነት፡ ኣብ ሜዳ ኩዕሶ እግሪ ኣስመራ ብወግዒ “ደጊም ናይ ውድባት ሓሸውየ የለን። ንህዝቢ ብቕሉዕ ይኹን ብጉልባብ ናይ ምክፍፋል ስልትታት ከቢድ ገበን ከም ዝቑጸር ክዝንጋዕ ኣይግባእን” ኢሉ ኣውጁ። እዚ ኣዋጅ ነቲ ኤርትራውያን ሰማእታት ህዝቦም ድሕሪ ናጽነት ናይ ምውዳብ፡ ሓሳብካ ምግላጽን ሓርነት ንክህልዎ ዝኸፈልዎ ዋጋን ቃሎም ከይጥለም ሓደራ ዝበልዎን ዝተነጽገሉ መድረኽ’ዩ ነይሩ። ብሰንኪቲ ጥልመት ከኣ እነሆ ናጽነት ኤርትራ ናይ ውሑዳት መዕንደሪ ኮይኑ፡ ህዝቢ ኤርትራ ግና 33 ዓመታት ድሕሪ ናጽነት እውን ኣብ ገዛእ ብሰማእትነት ደቁ ብኣዝዩ ዕዙዝ ኣበርክቶኡን ናጻ ዝኾነት ሃገሩ፡ የዋጽኣኒ  ዝበሎ ሓሳብ ከየቕርብ ኣፉ ተለጒሙን እግሩ መሊኡ ምርጋጽ ሓሪምዎን ብሹቕርርታ ይነብር ኣሎ።

ህግደፍ ሕድሮም ጠሊሙ ከብቅዕ፡  ብናቶም ክብሪ  ንክሽቕጥ ዘይፍንቅሎ እምኒ የብሉን። ሰማእታት ኣብ ህዝቢ ኤርትራ ዘለዎም ናይ ክብሪ ቦታ ስለ ዝፈልጥ ብስሞም፡ ሃብቲ ንምኽዕትን ዕድመ ስልጣኑ ንምንዋሕን ካብቲ ዝጥቀሞ ሜላታት ሓደ እዩ። እቲ ዘሕዝን ከኣ፡ ኣብዚ እዋንዚ ኣንጻር ህግደፍ ንቃለስ ኣለና ዝብሉ፡ ኣብ ክንዲ ንናይ ህግደፍ ጥልመት ኣብ ልዕሊ ስዉእት ምቅላዕ፡ ብተመሳሳሊ ቃና፡ ክብሪ መስዋእትነትን ሰማእታትን ዘናእሱ ወገናት ይቀላቐሉ ምህላዎም ካልእ ገጽ ናይቲ ጥልመት እዩ።

እቶም ቀንዲ ተረከብቲ ሕድሪ ሰማእታት፡ ብሓፈሻ መላእ ህዝቢ ኤርትራ፡ ብፍላይ ድማ  መንእሰይ ወለዶ እዮም። ስለዚ እዞም ኣካላት እዚኣቶም ካብቲ ሓንሳብ ኣንጻር ሰማእታት ጨኪኑ ናብ ልቡ ናይ ምምላስ ዕድሉ ዝዓጸወ ጉጅለ ምጽባይ ዘይኮነ፡ ሓላፍነቶም ክፍጽሙ ይግበኦም። እዚ ኣብዚ ታሪኻዊ መዓልቲ ክሓስብሉ ዝግባእ ዓብይ ዛዕባ እዩ። ካብዚ ሓሊፉ ነቲ ሕድሪ ሰማእታት ኣኽቢሩ ሃገርን ህዝብን ዝምርሕሉ ሕግን ህዝባዊ ስርዓትን ክተክል ቅሩብ ዘይኮነ ጉጅለ፡ ግበር ስለ ዝበለካ ፈልሲ ብምትካልን ሽምዓታት ምብራህን ወይ በል ስለ ዝተበሃልካ “ስዉኣትና ኩሉ ግዜ ኣብ ልብና” ዝብል ጭረሖ ብምቅላሕ ጥራይ፡  ሕድሪ ሰማእታት ኣይክበርን’ዩ።  ወለድን ስድራቤትን ፍቕሪ ሰማእታቶም ዝገልጽሉ ኣገባብ፡ ኣብ ገዛ ተዓጺኻ ኣሳእሎም እናረኣኻ ብምንባዕ ዘይኮነ፡ ኣብ ኣደባባያት “ክብርን መጐስን፡ ነቶም ሕድሮም ዝተጠልመ ስዉኣት” ብዝብል ንህግደፍ ዘርዕድ ስሙር መቓልሕ ክኸውን ይግበኦ።

ብዝተፈላለየ መልከዓት ተወዲቦም ንለውጢ ዝቃለሱ ዘለዉ ኤርትራውያን ናይ ለውጢ ሓይልታት  ብምኽንያት መዓልቲ ሰማእታት መግለጽታትን ኣዋጃትን ብምውጻእ ጥራይ ዘይኮነ፡ ዝተጠልመ ህዝባዊ ሕድሮም  ዘኽብር ናይ ሓባር ዓቕሚ ንምፍጣር ብዛዕባ ዝኽእልሉ ክሓስቡ ይግበኦም። ዘለካ ፍልልያት ኣመሓዲርካ ኣብቲ ዘሰማምዓካ ተቢዕካ ንህግደፍ ክትስዕር ምብቃዕ ክሳብ ክንደይ ንሰማእታት ከም ዘቕስኖም ኣብዚ ታሪኻዊ መዓልቲ ኮይኖም ክሓስብሉ ይግባእ። ምኽንያቱ ሰማእታት ስሞም ደጋጊምካ ብምጽዋዕ ዘይኮነ፡ ዘቕስኖም ብምስራሕ እዮም ዝቐሱ።  

እቲ ንብጾቱ ቀቢሩ ዕጥቆምን ሕድሮምን ዝተረከበ፡ “ናይ ናጽነት ሓርበኛን ደሓር ዝተሰለፈን”፡ ናይ ሎሚ  ሓይልታት ምክልኻል ኤርትራ፡ ኣብ ቅድሚ ሕብረተሰብ ዓለም “ወራሪን መሰል ንጹሃት ዝግህስን”  እናተባህለ መዛረቢ ኮይኑ’ሎ። ሕድሪ ሰማእታት ከኽብርስ ይትረፍ ክብሩ እውን ክዕቅብ ኣይከኣለን። ናይዚ ኩሉ ውርደቱ ጠንቂ ድማ ሕድሪ ብጾቱ ምጥላሙ ምዃኡ ክርዳእ ይግበኦ። ጥልመት ህግደፍ ቀጻሊ ስለዝኾነ ጽባሕ ናብ ርእሱ ከምዝምለስ ዘዳዲ ኣይኮነን።  ስለዚ ኣብዚ ታሪኻዊ ኣጋጣሚ መዓልቲ ሰማእታት ክበራበርን፡ በታ ዘላቶ ዕድል፡ ቅድም ናይ ገዛእ ርእሱ፡ ደሓር ከኣ ሕድሪ ሰማእታቱ ኣኽቢሩ ኣብ ጐኒ ህዝቡ ክስለፍ፡  ሎሚ’ውን ንጽወዖ ኣለና።  

ዝኽርን ክብርን ንሰማእታት ኤርትራ!

20 ሰነ 2024

ኣብ ጉዕዞ ቃልስና ክንምልሶም ካብ ዝግበኣና ሕቶታት፡ “መን እዩ ጸላኢና፡ መንቀልን መዓርፎን ቃልስና ኣበይ እዩ፡ ምስ መንከ ንመሓዞ፡  ብዓብይኡ ድማ መቃሲ ባይታና ኣበይ እዩ?  ዝብሉ ይርከብዎም። ኣብዚ ሎሚ ንሓርነት ነካይዶ ዘለና ቃልሲ፡ እዞም ሕቶታት ምሉሳት እዮም። ኣብቲ ንነፍሲ ወከፎም ዝወሃብ መልሲ ግና ፍልልያት ከም ከም ዘሎ  እንርደኦ እዩ። ኣብ ዝተፈላለዩ ውዳበታ እንስለፍ እውን ካብዚ ፍልልያት ስለ እንነቅል ኢና።

ኣብ ጉዕዞ ቃልስና ኣብ ዝተወሰነ ግዜ ካብዞም ሕቶታት ዝያዳ ጐሊሖም ወጺኦም እዋናዊ መዛረቢ ኣጀንዳ ዝኾንሉ ግዜ ኣሎ። ንኣብነት ኣብ ሃገርና ኮይንና ክንቃወም ስለ ዘይንኽእል፡  ኣብ ኩሉ ኩርነዓት ዓለም በበቲ ዝጥዕመና ንቃለስ ኣብ ዘለናሉ፡ “ጉዕዞ ብርጌድ ንሓመዱ ናብ ኢትዮጵያ” እዋናዊ ኣጀንዳ ኮይኑ ኣሎ። ዝተፈላለዩ ወገናት ከኣ ብዛዕባዚ መገሻ ብሪጌድ ንሓመዱ ነናቶም ርኢቶ ይህቡ ኣለዉ። ዳርጋ ኩሉ ርኢቶታት ካብ ሓልዮትን ድሌትን ምሕያል ናይቲ ቃልሲ ዝብገስ ምዃኑ ከኣ እቲ ተገዳስነት ዘተባብዕ እዩ። ብሪጌድ ንሓመዱ ከኣ ነቲ “ኣብ ክንዲ ከምቲ፡ ከምዚ እንትዝገብሩ” ዝብል ምዕዶ ክልገሰሉ እንከሎ፡ ብቕንዕና መሚኻ ነቲ ሃናጺ ናይ ምውሳድ ሓላፍነት ከም ዘለዎ ክዝንግዕ ኣይግበኦን።

መቃለሲ ቦታ ክትመርጽ እንከለኻ፡ ኣብ ግምት ክኣትዉ ዝግበኦም መምዘንታት ኣለዉ። ነቲ እትመርጾ መቃለሲ ቦታ ዝመርሕ መንግስቲ ዘለዎ ፖለቲካዊ ምርግጋእን ጽንዓትን፡ ኣብታ እትቃለሰላ ዘለኻ መጻኢት ኤርትራ  ዘለዎ ኣጠማምታን ፖለቲካዊ ሕሳብን፡ ምስቲ እትቃለሶ ዘልኻ ስርዓት ዘለዎ ዝምድናን ሃለዋት ኤርትራውያን ኣብታ ሃገርን ዝኣመሰሉ፡ ኣብ ግምት ምእታው የድሊ። ካብዚ ሓሊፉ “ናይቲ ትቃለሶ ዘለኻ ወጻዒ ሓይሊ ጸላኢ ምዃኑን ናብ ኤርትራ ዘለዎ ጂኦግራፊያዊ ቅርበትን” ጥራይ መቃለሲ ባይታ ወይ መሓዛ ክኾነካ እኹል መምረጺ ኣይኮነን። ብመንጽርዚ ንኢትዮጵያ ማዕረ ምስተን እንቃለሰለን ዘለና ካለኦት ሃገራት ምርኣይ የጸገም። ምኽንያቱ መንግስታት ኢትዮጵያ ብደረጃታት ደኣ ይፈላለዩ እምበር፡ ክሳብ ሎሚ “ምስ ኤርትራ ዘይተወደአ ፖለቲካዊ ምጽብጻብ ኣለና” ካብ ዝብል ሕልሚ ምሉእ ብምሉእ ስለ ዘይወጹ። ካብዚ ነቒሎም ንናይ ጽባሕ ኤርትራ፡ ካብ መሰረታዊ ረብሓን ሓድነትን ህዝቢ ኤርትራ ዘይኮነ፡ ካብ ናቶም ድሌትን ጠቕመን ካብ ምጥማት ዓዲ ከምዘይውዕሉ በብግዜኡ ዝረኣዩን ዝስምዑን ምልክታት ኣለዉ።

እቲ ንመርጾ ዘለና ቦታ ቅድሚ ሕጂ ምስ ተመኩሮ ደንበ ተቓውሞ ኤርትራ ዝምድና ኣለዎዶ የብሉን ምድህሳስ ካልእ ኣገዳሲ ዛዕባ እዩ። ንኣብነት ኣብ ኢትዮጵያ ውጽኢቱ ኣሉታዊ ድዩ ኣውንታዊ ብዘየገድስ፡ ናይ ነዊሕ ግዜ ናይ ደንበ ተቓውሞ ኤርትራ ተመኩሮ ኣሎ። ደንበ ተቓውሞ ኤርትራ ኣብ ኢትዮጵያ ንኣስታት 20 ዓመታት  ትካላት ዘርጊሑ፡ ናይ ውድባት  ጉባአታትን ሓፈሻዊ ዋዕላታትን ዘካየደሉ ስለ ዝኾነ እትመሃረሉ ተመኩሮ ከም ዘለዎ ርዱእ ኮይኑ፡ ዘይምዕዋቱ ከም ዝዛይድ ግና ፍሉጥ እዩ። ውጽኢቱ ከምኡ ከም ዝኸውን ካብ ዝገበርዎ ጠንቅታት ቅድሚ ንምቅላስ ናብ ኢትዮጵያ ምእታው  ብሱል ኩለ-መዳያዊ  ዳህሳስ ዘይምግባር ክኸውን ከም ዝኽእል ኣብ ግምት ካብ ዝኣትዉ ምኽንያታት ሓደ እዩ።

እቲ ከምዚ ናይ ብሪጌድ ንሓመዱ ኮነ ናይ ካለኦት ውዳበታት ሎሚ ንኢትዮጵያ ከም መቃለሲ ባይታ ምምራጽ፡ ነቲ ዝሓለፈ ተመኩሮ መዚኖም ካብኡ ንሎሚ እውን ይጠቅም’ዩ ዝበልዎ ክወስዱ፡ ኣየድልን ንዝበልዎ ድማ መምዮም ከትርፉ ምኽኣል ውሕሉል ኣተሓሕዛ ቃልሲ እዩ። ነዚ ኣገባብ ዘይምኽታል ግና ንተመኩሮ ናይ ትማሊ  እናዘንጋዕካ ካብ ሎሚ ጥራይ ምጅማር ኣብ ርእሲ ምዃኑ፡ ፖሊሲ ዋሕዚ ምምልላእን ምትኽኻእን ዝጐደሎ ዝተቖራረጸን ዘይዕወትን ጉዕዞ እዩ ዝኸውን።

ንኢትዮጵያ ከም መቃለሲ ቦታ ምምራጽ  ምስ ኤርትራ ብዘለዋ ቅርበት ከም ካልእ ተራ ሃገር ዝረአ ኣይኮነን። መንግስቲ ኢትዮጵያ ነቲ ኣብ ኤርትራ ዝገዝእ ዘሎ ስርዓት ዘለዎ ኣረኣእያ እውን ኣብ ግምት ዘይኣቱ ኣይኮነን። ግን ድማ ምስኡ ክጻላእ እንከሎ ዘቕርበካ ክፋቐር እንከሎ ከኣ ዘርሕቐካ፡ ወጽዓ ህዝቢ ኤርትራ ፈጺሙ ዘይዓጦ ከይከውን ምስትብሃሉ የድሊ። እዚ ክበሃል እንከሎ ግና እቲ ምቅርራብን ምርሕሓቕን ሓላፍነታውን ውሕሉልን ክኸውን ኣለዎ እምበር፡ ረብሓኻ ቅድሚ ረብሓኡ ክስርዓልካ ምጽባይ ማለት ኣይኮነን።

እቲ ካልእ ኢትዮጵያ ኣብቲ ቅድሚ 2018 ዝነበረቶን ሎሚ ዘላትሉን፡ ብመንጽር ዘቤታዊ ጉዳይካ ወጊንካ፡ ምስ ከም ኤርትራዊ ሓይሊ ተቓውሞ ዝኣመሰሉ ኣካላት ናይ ምትሕብባር ዓቕማን ቅሩብነታን፡ ቅድሚ ግብራዊ ስጉምቲ ምውሳድ ክጽናዕ ዝግበኦ እዩ። ምኽንያቱ ንገዛእ ርእሱ ኣደልዲሉ ዘይረገጸ መንግስቲ ናይ ካልእ ዋኒን ክጸውር ዘለዎ ትኽእሎ ጸቢብ እዩ።  ኩሉ ገዲፍካ ኣብ መንጎ ማእከላይ መንግስቲ ኢትዮጵያን ኣብ መንጎቲ ብሰፊሕ ምስ ኤርትራ ዝዳወብ ክልል ትግራይን ዘሎ ፖለቲካዊ ዝምድናን ኣሰላልፋን ኣብ ምምራጽ መቃለሲ ቦታ ኣብቲ ከባቢ ኣብ ግምት ክኣቱ ዝግበኦ መሰረታዊ ጉዳይ እዩ። ምስ ኢትዮጵያ ብክልላዊ ምምሕዳር ትግራይ ተቐባልነት ዘየብሉ ዝምድና ምፍጣር ኣጸጋሚ ከም ዝኸውን ርኡይ እዩ። ስለዚ መቃለሲ እንመርጾ ቦታ ተቓሊስና እንዕወተሉን ቀጻልነት ዘለዎን እምበር፡ ንህግደፍ ንግዜኡ እተሰንብደሉ ጥራይ ክኸውን ኣይግባእን።

እቲ ካልእ “ኣነኸ መቃለሲ ቦታን ዝዛመዶ ሓይልን ክመርጽ እነከለኹ ክሳብ ክንደይ እየ ዘቤታዊ ዕዮኡ ዝወገነ ተበሃጋይ ሓይሊ ዝኸውን?” ዝብል ሕቶ ክትምልስ ናይ ግድን እዩ። ብሪጌድ ንሓመዱ ኣብዚ መዳይዚ ዘይወገኖም በዓል ቤታዊ ሕጽረታት ከም ዘለዉዎ ርኡይ እዩ። ከምቲ ተመኩሮ ደንበ ተቓውሞ ኣብ ኢትዮጵያ ክግምግም ይግበኦ ዝበልናዮ፡ ሓድሽ መቃለሲ ቦታ ንምስፋሕ፡ ናቱ ናይ 2ተ ዓመታት ተመኩሮ ምምዛን እውን ኣገዳሲ እዩ። እቲ ዘይገሸ ኣካል መሪሕነት ብሪጌድ ንሓመዱ ኣብቲ መጀመርያ፡ “ነቲ መገሻ ናብ ኢትዮጵያ ኣይፈልጦን እየ” ኢልዎ ነይሩ። ደሓር ግና “ተረዳዲእናሉ ኣለና” ኢሉ። እዚ ውጽኢት ጉድላት ብቑዕ ቅድመ-ምድላው ዘይምግባር ምዃኑ ርዱእ እዩ። ስለዚ ብሪጌድ ንሓመዱ ጥራይ ዘይኮነ፡ ዝኾነ ሓይሊ ተቓውሞ ኣንጻር ህግደፍ ንከድምዕ ክምልሶም ካብ ዝግበኦ ሕቶታት “ንህግደፍ ኣበይ ኮይንና ንቃለሶ? ዝብል መሰረታዊ ምዃኑ ኣይንዘንግዕ ንብል።

ርእሰ ዓንቀጽ

ኣብዚ ዝሓለፈ ናይ ልዕሊ 20 ዓመታት  ግሎባላዊ ግዜ ዓለምና ክትሕቖን ጸኒሓ እያ።  ሕጂ እውን መልክዑ ደኣ ይቐያይር ኣሎ እምበር ካብኡ ኣይወጸትን። በዚ ዘይቅሱን ኩነታት ይጽለዉ ካብ ዘለዉ ከባብታት ሓደ ዞባ ቀይሕ ባሕሪ እዩ። ካብዚ ሓሊፉ ናብ ኣፍሪቃ ክቐርብ እንከሎ ከኣ፡ ምብራቕ ኣፍሪቃ ዝያዳ ክሕቆን ዝጸንሐን ዘሎን እዩ። ኣብ ሕንብርቲ ቀርኒ ኣፍሪቃ፡ ልዕሊ ሺሕ ኪሎ ሜተር ዝንውሓቱ ገማግም ባሕሪ እትውንን ኤርትራ ከኣ ካብ ኢውሮጳዊ መግዛእቲ ጀሚርካ ናይዚ ጽልዋ ግዳይ  ካብ እትኸውን ነዊሕ ግዜ እዩ።

ቅልውላው ዞባና ብክለሳ-ሓሳብ ጥራይ ዝጥቀስ ዘይኮነ፡ ኣብዚ እዋንዚ’ኳ ኣብ የመን ዝረኤ ዘሎ ናዕብታት፡ ኣብ መንጎ እስራኤልን ፍልስጤምን ዝረአ ዘሎ ኣዕናውን ኣብራስን ውግእ ህያው ኣብነት እዩ። ነዚ ተኸቲሉ ኣብ ቀይሕ ባሕሪ ዝረአ ዘሎ ናይ ውግእ መራክብ ዕልቕልቕ ናይቲ ወጥሪ ምስክር እዩ። ዝያዳ ናብ ኤርትራ ከነቕርቦ እንከለና ድማ፡ ኩነታት ሱዳን፡ የመን፡ ሶማሊያላንድ፡ ሶማሊያን ኢትዮጵያን ናይቲ ቅልውላው ኣመልከቲ እዮም።  ግብጺ፡ ጅቡትን ደቡብ ሱዳንን’ውን ህዝበን ደቂሱ ዝሓድር ኣይኮናን።  ኤርትራ ከኣ ህዝባ ብህግደፍ ጅሆ ተታሒዙ፡ ናብ ውሽጡ እናነብዐ፡ ሰላምን ርግኣትን ኣብ ዝተሓረሞ ኩነታት እያ እትርከብ። ምስዚ ኩሉ ደንበ ተቓውሞ ኤርትራ’ውን ሓደ ካብቶም በቲ ቅልውላው ተጸለወትን ኣብቲ ቃልሲ ተሰላፍትን እዩ። ከምኡ ስለ ዝኾነ ኢና ከኣ “ንሕናኸ ሰልፍና ምስ መን’ዩ?” ኢልና ሓቲትና መልሲ ክንረክብ እንግደድ። ምኽንያቱ ዘለናሉ ዓለማዊ ኩነታት ኣይኮነንዶ ንሕና፡ ሓያል ኮይንካ’ውን በይንኻ  እትቖመሉ ዘይኮነ፡ ክትመሓዞ እትግደደሉ ስለ ዝኾነ።

ነዚ ሕቶዚ ንምምላስ ሃንደፍ ኢልካ “ብናይ ጸላእየይ ጸላኢ ፈታውየይ” ሕሳብ  ዝውሰድ ዘይኮነ፡ መሰረታዊ ናይ መኻይድኻ መዕቀኒ ምሓዝ ዘይስገር’ዩ። ምኽንያቱ እቲ ጸላኢ ጸላኢኻ፡ ጸላኢኻ’’ውን ክኸውን ስለ ዝኽእል። ከም ኤርትራዊ ናይ ተቓውሞ ሓይሊ፡ ነዚ ሕቶዚ ኣብ ምምላስ ንኡስ ፍልልያት ክህልወና’ኳ እንጽበዮ እንተኾነ፡ ኣብ “ምዕቃብ ልኡላውነትን ሓድነትን ኤርትራ፡ ምውጋድ ናይቲ ንህዝብና ደም ዘንበዖ ዘሎ ጉጅለ ህግደፍን ብሕገምንግስታዊ ስርዓት ምትክኡን” ኣብ ዝብሉ ግና ክንሰማማዕ ይግበኣና። እንመርጾ ኣሰላልፋ ጸኒዑ ምእንቲ ክቕጽል ማእከሉ ናይቶም ሓቢሮም ዝስለፉ እምበር፡ ብናይ ሓደ ካብቶም ሓቢሮም ዝስለፉ ዝተዓብለለ ከይከውን ምስትብሃል የድሊ።

እቲ ኣሰላልፋ ቀጥታዊ ወይ ዘይቀጥታዊ ከም ዝኸውን ንዕዘቦ ዘለና እዩ። እቲ ቀጥታዊ እቲ ብጀኦግራፍን መሰል መዕቀንታትን ምስ ዝቐርቡኻ ዝረአ ኮይኑ፡ እቲ ዘይቀጥታዊ ከኣ ነዊሕ  ኣእዳው ዘለዎም ሓያላት ኣብ ርሑቕ ኮይኖም ብምዕጣቕን ብምስናቕን ናይ ረብሓኦም ዓውዲ ውግእን ተለኣኽን ክገብሩኻ ዝዝርግሕዎ ኣሰላልፋ እዩ። ኣመሪካ፡ ሩስያን ቻይናን ዝርከበአን ሓያላት መንግስታት ናይዚ ቅዲ ሃንደስቲ ምዃነን ንዕዘቦ ዘለና እዩ። ናብ ኤርትራዊ ጉዳይና ክንመጽእ እንከለና፡ ሓይልታት ለውጥን ህግደፍን ብሓደ ክንስለፍ  ኣይንኽእልን። ምኽንያቱ ኣብቶም ክንዛመድ እንከለና መዕቀኒና ክኾኑ ይግበኣኦም ዝበልናዮም መሰረታዊ መበገሲታት ፍልልይ ስለ ዘለና። ንሕና ኣርዑት ወጽዓ ህግደፍ ንምስባር እንቃለስ ክንከውን እንከለና፡ ህግደፍ ብኣንጻሩ ኣርዑት መግዛእቱ መመሊሱ ከትርርን ከቐጽልን ከይደቀሰ ዝሓድር ስለ ዝኾነ።

ናይተን ብኤርትራዊ ምዕባለ ዝጽለዋ፡ ኣብኣተን ዝረአ ምዕባለ’ውን ንኤርትራ ዝጸልዋ ናይ ቀረባ  ሃገራት ኩነታት ምስ እንድህስስ ኣብ ከባቢና እቲ ኣሰላልፋ ክሳብ ክንደይ ከም ዝተሓላለኽ ንምግንዛብ ይሕግዘና። ናይቲ ምትሕልላኽ ቀንዲ ምኽንያት ብደገ ዝጽለው እምበር፡ ነብሱ ክኢሉ ዝቐውም ዘይምዃኑ’ዩ። ንኣብነት ኣብ ፖለቲካ  ኢትዮጵያ ኣብዚ እዋንዚ ብልጽግና፡ ህወሓትን ፋኖን ከምኡውን ኦነግ ቀዳሞት ተሰለፍቲ እዮም። ካብዚኦም መን ኮይንካ  ኣንጻርቲ ካልእ ናይ ምስላፍ ፈተነታት ንዕዘብ ኣለና። መንን መንን ኣንጻር መን ግና ጌና መልክዕ ኣይሓዘን። እቲ ዝተረፈ ክፋል ኢትዮጵያ ከኣ ስቕ ዝመረጸን ምስ ዝሓየለ ናይ ምስላፍን ዝንባለ ዘለዎን ይመስል።

ህግደፍ ኣብ ጉዳይ ኢትዮጵያ ከም ጐረቤት ዘይኮነ፡ ከም በዓል ጉዳይ ኮይኑ፡ ከዳኽር ከም ዝደሊ ብሓሳብን ብግብርን ኣርእዩና እዩ። ገለ ኢትዮጵያዊ ወገናት ካብ ዘለዎም ግዝያዊ ሕሳብ ነቒሎም ህግደፍ ኣብ ፖለቲካ ኢትዮጵያ ቀጥታዊ ተሳታፊ ክኾነሎም ይደልዩ እዮም። ፋኖ ህግደፍ ከዕጥቖን ከስንቖን ስለ ዝደሊ ጉንብሕ ጥልዕ ክብለሉ እንከሎ፡ ህግደፍ ብትግራይ ብህልቂት ሰባትን ዕንወት ንብረትን ዝኸስስ ዘሎ ምዃኑ ናይቲ ዘይንጹር ኣሰላልፋ  ገላጺ እዩ። ዝምድና ህግደፍን ብልጽግናን  ከኣ ምግማቱ ኣብ ዘጸግም ጽልግልግ ዘሎ እዩ።

እዞም ንኤርትራዊ ጉዳይ ዝጸልውዎን ብኣኡ ዝጽለዉን ዝበልናዮም ሓይልታት፡ ኣብቶም ከም መዕቀኒ ኣሰላልፋ ኢልና ዘስፈርናዮም መምዘኒ ነጥብታት “ሚዛኖም ከመይ እዩ?” ዝብል ሕቶ ምምላስ ዘይስገር እዩ። ብልጽግና ንሓንሳብ ብስዉር ንሓንሳብ ድማ ብጋህዲ ብኣፍደገ ባሕሪ ኣሳቢቡ ኣንጻር ኤርትራዊ ልኡላውነት ከም ዝስለፍ ነጊሩና እዩ። ፋኖ ምእንቲ ብህግደፍ ክድገፍ ነቲ ብልጽግና ዘልዕሎ ጉዳይ ኣፍደገ ባሕሪ ዘይድግፎ መሲሉ’ኳ እንተቐረበ፡ ከምቲ “ዝብእሲ ክሳብ ዝደልዎ ይሕንክስ” ዝበሃል ንግዜኡ እንተዘይኮይኑ ኣብ ልኡላውነትና ካብ ብልጽግና ዝሓይሽ ኣይኮነን።

ኣብ ታሪኽ ኢትዮጵያ፡ ንመጀመርያ ግዜ ነጻነትን ልኡላውነትን ኤርትራ ዝተቐበለ ሓይሊ ህዝባዊ ወያነ ሓርነት ትግራይ (ህወሓት) ጥራይ እዩ። ግን ድማ ናይ ሎምን ናይ ቅድሚ 20 ዓመታትን ህወሓትን ትግራይን ሓደ ከምዘይኮኑ ምግንዛብ የድሊ። ሎሚ ትግራይን ህዝባን ብዘይካ ብህወሓት፡ ብዝተፈላለዩ እሞ ድማ ነጽናት ኤርትራ ብዘይቅበሉ ጥራይ ዘይኮነ፡ ኣብ ሓድነት ህዝብን መሬትን ኤርትራ እውን ግጉይ  ግንዛበ ብዘለዎም ውድባታትን ማሕበራትን’ውን ኣብ ዝጽለውሉ ኩነታት ምህላዎም ምግንዛብ የድሊ። ስለዚ ሕቶ “ሰልፍና ምስ መን እዩ?” ኣብ ምምላስ ነዚታት ምግናዛቡ መሰረታዊ እዩ። ብመንጽርዚ ሕቶ “ሰልፍና ምስ መን እዩ?” ክንምልስ እንከለና፡ ዋላ ትቕጠን ነታ ኣብ ኤርትራዊ ልኡላውነትን ሓድነት ህዝባን ዘይትወላወል ገመድ ምስ መን ከምዘላ ብዘየገድስ ከይለቐቕና፡ ንናይ ክሳብ ሕጂ ኣሰላልፋና ተመሊስና ብመጽርቲ ዝኽሰት ዘሎ ሓደስቲ ምዕባለታት ክንድህስሶ ግድን ኣብ ዝኾነሉ ኢና ንርከብ  ዘለና።

ባድመ መጸውዒ እታ ኣዛራቢት ኮይና ዘላ ሓውሲ ከተማን ኣብ ከባቢኣ ዘሎ ጐላጉልን እዩ። ባድመ ኣብ ጋሽ ካብ ባረንቱ ንወገን ደቡብ  48 ኪሎ-ሜተር፡ ካብ ከተማ  ኣስመራ ድማ 139 ኪሎ-ሜተር ርሒቓ ትርከብ። በቲ ካልእ ወገን ድማ ካብ ከተማ ሽረ ንሰሜን 119 ኪሎ-ሜተር ካብ መቐለ ድማ 369 ኪሜተር ትርሕቕ።

ብዛዕባ ብዝሒ ህዝባ ብዙሕ ሓበሬታኳ እንተዘየለ፡ ናይ ኢትዮጵያ ማእከላይ ስታትስቲክስ፡  ኣብ ናይ 2005 ምርጫ ኢትዮጵያ  729 ደቂ ተባዕትዮን 834  ደቂ ኣንስትዮን ብድምር 1,563 ነባሪ ከም ዝነበራ መዝጊቡ። ናይታ ከተማ ናይ መጀመርያ ተቐማጦ ኤርትራውያን ምዃኖምን ናይቲ ከባቢ ዓድታት ኣሰማት ብቋንቋ ኩናማ ምዃኑን ነዚ ከም ዘመልክትን ብዛዕባቲ ከባቢ ናይ ቀረባ ኣፍልጦ ዘለዎም ይሕብሩ። ባድማ’ውን ብቋንቋ ኩናማ እዩ።

ባድመ ግዝኣት ኢጣልያ ዶቡ ኣብ ኤርትራ ምስ ኢትዮጵያ ካብ  ዝኸለለሉ  ግዜ  ንደሓር ኣካል ምምሕዳር ኤርትራ ዝነበረት ኮይና፡ ድሕሪቲ ፈደረሽን ኤርትራን ኢትዮጵያን ፈሪሱ፡ ኤርትራ ካብ ድሌት ህዝባ ወጻኢ ምስ ኢትዮጵያ  ተንጸበራ ኣካል ኢትዮጵያ ድሕሪ ምዃና፡ ኣብ ትሕቲ ምምሕዳር ትግራይ ወረዳ ታሕታይ ኣድያቦ ኮይና፡ ናብ ጣቕላይ ግዝኣት ትግራይ ግብሪ ትኸፍል ነይራ።  ባድመ ዋላ’ኳ ኣብ ከባቢኣ ንሕርሻ ዝምችእ መሬትን ማዕድንን ከም ዘለዋን ዝእመን እንተኾነ፡ ዝያዳ ኣዛራቢት ዝኾነትሉ ቀንዲ ምኽንያት ግና፡ ውግእ ኤርትራ-ኢትዮጵያ 1998-2000 ዝተጀመረላ ቦታ ስለ ዝኾነት እያ።

ባድመ ኣብ ግዜ ብረታዊ ቃልስና፡ ካብተን ብተጋድሎ ሓርነት ኤርትራ (ተሓኤ) ናጻ ዝወጻ ናእሽቱ ነቑጣታት  ሓንቲ እያ። ድሕሪ  ባድመ ብሰራዊት ሓርነት ናጻ ምውጸኣ ተሓኤ ክሳብ ከባቢ ዓዲ ኣውዓላ፡  ዓዲ ሃገራይ፡ ሸራሮ፡  ዛግርን ዓዲ ጎዘሞን ኣብኡ ዝነብሩ ኤርትራውያን ትውድብ ነይራ። ህዝባዊ ወያነ ሓርነት ትግራይ (ህወሓት) ተመስሪታ ምንቅስቓሳ ኣብ ኣድያቦ ምስ ኣስፈሐት  ግና፡ ምርጻማት ንኸይፍጠር ብዝነበራ ሓልዮትን ጥቃቐን፡ ጀብሃ ምንቅስቕሳን መዋፈሪኣን ኣብ ከባቢ ባድመ ክትድኩኖ ተገዲዳ። ይኹን እምበር ሓሓሊፉ ናይ መሬት ዋንነት ሕቶ ይለዓል ስለ ዝነበረ፡ ብሰንኩ ህይወት ብዙሓት ሓሊፉ እዩ። ምስዚ ኹሉ  ህዝባዊ ወያኔ ሓርነት ትግራይን ጀብሃን ኣብ 1979 ብዝበጸሐኦ ስምምዕ፡ ባድመ  ብተጋድሎ ሓርነት ኤርትራ ትማሓደር ነይራ።

ህዝባዊ ግንባር ሓርነት ኤርትራን ህዝባዊ ወያነ ሓርነት ትግራይን ሓቢሮም ኣንጻር ተሓኤ ብዘካየድዎ   ዘይሓላፍነታዊ ወተሃደራዊ ወፍሪ፡ ጀብሃ ዓባይ ካብ ከተማ ባድመ ተደፊኣ ለቐቐት። ኣብቲ እዋንቲ 90% ኤርትራዊ ዝነበረ ነባሪ  ባድመን ከባቢኣን ንተሓኤ  ምስ መን ገዲፍክና ትኸዲ ኣለኺ?”  ብዝብል ሰላማዊ ሰልፊ ከም ዘካየደ ብምስሊ ከይተረፈ ዝተሰነደ እዩ።  

ድሕሪኡ ብ1982 ህዝባዊ ግንባር ንከተማ ባድመን ከባቢኣን ነዚ ውሳነ ዘይቅበል እንተሎ፡ ገጻብ ኣድጉ ጽዒኑ ይኺድ” ብዝብል ብደዐን ኣስገዳድን  ንህወሓት ኣረኪባታ። ብዛዕባዚ ኣብ ርእሲቲ ዝተፈላለዩ ኣካላት በብግዜኡ ክህብዎ ዝጸንሑ ምስክርነትን ብደረጃ መጻሕቲ ዝተሰነደ ምዃኑን፡  ኣብዚ ቀረባ ግዜ ምስ ተለቪዥን ኣሰና ሰፊሕ ቃለ መጠይቕ ዘካየደ፡ ኣቡኡ ብደረጃ ምስሌነ ኣማሕዳሪ ባድመ ዝነበሩ፡ ንሱ ድማ ኣብ ባድመ ዓብዩ፡ ተጋዳላይ ህዝባዊ ግንባር ኮይኑ ናብኡ ተመዲቡ ዝተቓለሰ፡  ጸጋይ ገ/ስላሴ (ወዲ ጉቦ) ምስክርነቱ ሂቡ እዩ። ዋላኳ ገለ ወገናት ነቲ ንባድመ ንወያነ ትግራይ ናይ ምርካብ ውሳነ ብላዕለዎት ሓለፍቲ ህዝባዊ ግንባር ኣፍልጦ ዘይነበሮ ኣምሲሎም ከቕርብዎ ዝፍትኑ እንተኾኑ፡ ጸጋይ ግና ኣይኮነንዶ ከም ጉዳይ ባድመ ዝኣመሰለ ዓብይ ጉዳይ፡ ናእሽቱ ውሳነታት እውን ብዘይኣፍልጦ ኢሳያስ ኣይትግበርን እዩ ይብል።

ጀብሃ ባድመ ናይ ኤርትራ እያ ምባላ ቅኑዕ ነይሩ፡ ምኽንያቱ መብዛሕትኦም ነበርታ ኤርትራውያን ኮይኖም፡ ሰውራኦም ናይ ምስናቕ ዓብይ ብጽሒት ስለ ዝነበሮም ዝበለ ጸጋይ ገ/ስላሴ፡ ህዝባዊ ግንባር ንባድመ ንህወሓት ምስ ኣረከበታ፡ ኩሉ ኣብኡ ተደኲኑ ዝነበረ ትካላታ ጥቕሊላ ክትወጽእ ከም ዝተገደደት ከኣ ይጠቅስ። 

ድሕሪ ናጽነት፡ ልኡላውነት ኤርትራ ንምርግጋጽ ኣብ ዝተኻየደ ረፈረንደም 1993፡ እቲ ህዝባዊ ግንባር ስለ ዝጠለመቶ፡ ቁጽሩ እናወሓደ ዝኸይድ ዝነበረ ኤርትራዊ ነባሪ ባድመ፡ ከም ኣብ ትግራይ ዝነብር ኮይኑ እዩ ኣድሚጹ። ድምጹ ከኣ ናብ ባረንቱ ወይ ሻንብቆ ዘይኮነ፡ ናብ መቐለ ምስ ተላእከ  እዩ ብኡ ኣቢሉ ናብ ኣስመራ ተመሓላሊፉ። ኣብዚ ወሳኒ መድረኽ ረፈረንደም’ውን እቲ ክሳብ ሎሚ ግዝያዊ ካብ ዝብል መጸውዒ ቅጽል ዘይወጸ መንግስቲ ኤርትራ ዘቕረቦ ስምዕታ ኣይነበሮን። ካብዚ ንላዕሊ ጉዳይ ባድመ ጉዳዩ ከምዘይነበረ መረጋገጺ ከኣ የለን። በዚ ዝተኣማመነ መንግስቲ ኢትዮጵያ ኣብቲ ቦታ ክሳብ ምምስራት ፋብሪካ እምነ-በረድ ክበጽሕ እንከሎ’ውን “መኒኻ?” ዝበሎ ኣይነበረን።  

ከምቲ ኩሉ ዘይርሰዖ፡ ብ6 ጉንበት ኣብ ባድመ ዝጀመረ ውግእ ኤርትራ-ኢትዮጵያ፡ ብ12 ጉንበት 1998 ድማ ናብ ዝለዓለ ደረጃ ዓሪጉ። ድሕሪዚ ውግእ ምጅማሩ ብ23 ጉንበት 1998 መሪሕነት ተጋድሎ ሓርነት ኤርትራ-ሰውራዊ ባይቶ ኣብ ሱዳን ከተማ ካርቱም ኣኼባ ኣካይዱ። ኣብቲ ድሕሪ ኣኼባኡ  ዘውጸኦ መግለጺ ድማ ባድመ ናይ ኤርትራ ምዃና ኣረጋጊጹ፡ ነቲ መንግስቲ ኤርትራ ኩሉ ሕጋዊ መስርሕ ከይጸንቀቐ  ዝመረጾ ውግእ ከኣ  ተቓዊምዎ።

ውግእ ምስ ጀመረ ድሕሪ ዝተወሰነ ኣዋርሕ፡ ኣብ መንጎ ልኡኻት ሰውራዊ ባይቶን ኢትዮጵያዊ ግንባር ኢህውደግን ኣኼባ ተኻይዱ። ኣብዚ ኣኼባ ሰውራዊ ባይቶ ባድመ ናይ ኤርትራ እያ ብምባሉ ዝተገረመ ኢህውደግ ካብ ልኡኽ ሰውራዊ ባይቶ መብርሂ ሓቲቱ።

መብርሂ ልኡኽ ሰውራዊ ባይቶ ከኣ፡ ኣብ ግዜ ቃልሲ ኣንጻር ደርግ፡ ንባድመ መን የመሓድራ ዝብል  ምስሕሓብ ምስ ተፈጥረ፡ ድሕሪ ክንደይ ልዝብ፡ ኣብ መንጎ ተሓኤን ህወሓትን፡ ስርዓት ደርግ ተወጊዱ ዶብ ኤርትራን ትግራይን ብሕጋዊ መስርሕ ክሳብ ዝውሰን፡ ባድመ ኣብ ትሕቲ ተሓኤ፡ ሸራሮ ድማ ኣብ ትሕቲ ህወሓት ክጸንሐ ዝብል ስምምዕ ነይሩና።  ነዚ ጥሒስኩም ኢኹም ድማ ንዓና ምስ ህዝባዊ ግንባር ኮይንኩም ወጊእኩምና። ባድመ ከኣ ብህዝባዊ ግንባር ግንዖት ተዋሂባትኩም። ንሕና ነዚ ዝምልከት መረጋገጺ ኣለና፡ ንስኻትኩም ድማ መዛግብኩም ገንጽሉ ዝብል ነይሩ። ድሕሪኡ ኢህወደግ ነዚ ዘፍርስ ጭብጢ ስለ ዘየቕረበ ሰውራዊ ባይቶ ባድመ ናይ ኤርትራ እያ ዝበለሉ ምኽንያት ቅቡል ኮይኑ ቀጺሉ። ደሓር ከኣ መርገጺ ሰውራዊ ባይቶ፡ ብውዕል ኣልጀርስ ተሰንዩ ብኣህጉራዊ ኮሚሽን ዶብ ተረጋጊጹ።

ብኣሕዋት ፍሰሃየ ሓጐስ፡ ድራር መንታይን ንጉሰ ጸጋይን ዝተደርሰት መስሓፍ “ታሪኻዊ ግደ ሰራዊት ሓርነት ኤርትራ” ብወገና፡ እቲ ኣብ መንጎ ተሓኤን ህወሓትን ዝተበጽሐ ስምምዕ፡ “1.ኤርትራውያን ተቐማጦ ኣብ ትግራይ፡ ትግራዎት ተቐማጦ ድማ ኣብ ኤርትራ ናይ ምንባር መሰል ክህልዎም፡ 2. ናብ ዝመረጽዎ ውድብ ብዘይተጽዕኖ ክስርዑ፡ 3. ኣብ ዝነብሩሉ ቦታ እቲ ኣብኡ ዝርከብ ውድብ ዝሓተቶም መዓልታዊ ጠለባት  ከማልኡ” ዝብል ትሕዝቶ ከም ዝነበሮ ኣስፊራ’ላ።

ዘይሩዘይሩ እቲ ውግእ ካብ ባድመ ናብ መላእ ዶብ ኤርትራን ኢትዮጵያን ድሕሪ ምልሓሙን ካብ ክልቲኡ ወገናት ልዕሊ 100 ሺሕ ህይወት ምህላቑን፡ ብመሰረት ስምምዕ ኣልጀርስ ብሕጊ ክረአ ተወሲኑ። ከም ውጽኢት ናይዚ ድማ፡ ብ13 ማዝያ 2002 እቲ ትጽቢት ዝተገብረሉ ቀያድን ናይ መወድእታን ብይን ተዋሂብዎ። እንተኾነ ባድመ መጀመሪት ናይቲ ውግእ ብምዃና’ኳ ናብ ኤርትራ ከም ዝተበየነት እንተተፈልጠ፡ ምሉእ ብምሉእ ኣየናይ ንመን ከም ዝተዋህበ ንምፍላጥ ሎሚ’ውን እቲ ህግደፍ ክሃድመሉ ዝጸንሀ ኣብ ባይታ ምጥራር ዘይስገር እዩ። ናይ “ዝሓዘሐዘ”  ኣካይዳ ግና ናይ ውግእ ሕማም ደሓር ዝገድፍ ስለ ዝኾነ፡ ነዚ ስንኩፍ ኣተሓሕዛ ምድጋፍ ከኣ ዘይሓላፍነታውን ስምዒታውን እዩ።  

ርእሰ-ዓንቀጽ ሰዲህኤ

24 ጉንበት ቅድሚ 33 ዓመታት መግዛእቲ ተሳዒሩ ኤርትራ ደቃ ብሓባር ብዝኸፈልዎ ክቡር መስዋእቲ  ግዝኣታዊ መሬታ ናጻ ዝወጸትላ ታሪኻዊት ዕለት ስለ ዝኾነት፡  ናይ ዮሃና መልእኽትና ነቐድም።

መሰረታዊ ዕላማ ቃልሲ ህዝቢ ኤርትራ፡ ባዕዳዊ መግዛእቲ ኣልጊስካ ጨቋንን ተጨቋንን ዘይብላ፡ ሰላምን ብልጽግናን ዝሰፈና፡ ብዲሞክራስያዊ ስርዓት እትመሓደር ሃገር ምርግጋጽ እዩ ነይሩ። ድሕሪ ናጽነት፡ ህዝብና ነቲ  ሓቢርካ ሃገር  ንምህናጽ  ተቐሪብሉ ዝነበረ ምዕራፍ ቃልሲ፡ ከም ውሁብ ወሲድዎ ስለ ዝነበረ፡ ከም ዝዕወት ትስፉው ነይሩ። ኣብ ተመኩሮ ህዝቢ ኤርትራ፡ ባሕቲ መስከረም 1961ን 24 ጉንበት 1991ን ብ30 ዓመታት ዝረሓሓቓ ታሪኻውያን ዕለታት እየን። እታ ቀዳመይቲ ብምብሳር ሰውራ፡ እታ ካለኣይቲ ከኣ ዓወት ናጽነት ኤርትራ ብምብሳር። ኩሉቲ ኣብ መንጎ እዘን ታሪኻውያን ዓመታት ፡ ዝሓለፈ ግዜ፡ ዝተኸፍለ ዋጋ፡ ዝተወፈየ መስዋእትነት፡ ዘጋጠመ ዕንወት፡ ብርሰትን ዝሰዓበ ስደትን ምምዝባልን፡ ህልቂት ህዝብን ጥሪትን ምእንቲ ሰንሰለታዊ መግዛእቲ ሓንሳብን ንሓዋሩን ምውጋድ  ስለ ዝነበረ፡ ህዝቢ ኤርትራ በቲ ዝነበሮ ፍቕሪ ሃገርን ቅሩብነት ንቃልስን፡ ኤርትራ ድሕሪ ናጽነት ኣብ ሓጺር ግዜ ኣብ ዝሓሸ ኩነታት ከም እትበጽሕ ልዑል ተስፋ ነይሩ።

እተኾነ ብሰንክቲ ኢሳያስ ዝመርሖ ጠላም ጉጅለ፡ ትጽቢት ህዝብና ጌና ኣብ ተስፋ እዩ ዘሎ። እቲ ጥልመት ብዘኸተሎ በደል ዘማረሩ ገለ ወገናት፡ ኣብ ኣድላይነት ነጻነት፡ ልኡላውነትን ሓድነት መሬትን  ኤርትራ  ሰጋእ መጋእ ክብሉ ይረኣዩ እዮም። እንተኾነ እቲ ናይ ኩሉ፡ ከነዕውቶ ንቃለሰሉ ዘለና ባህግታት መሰረት፡ ናጽነትን ልኡላውነትን ኤርትራ እዩ እሞ፡ ወትሩ ህያው ኮይኑ ካብ ምዕቃቡ ካልእ ምርጫ ከም ዘየብልና ንገንዘብ። እቲ ንህዝብና ዝድህኾ ዘሎ ወጽዓ ከኣ፡ ምምሕዳር ህግደፍ ዝፈጠሮ እምበር፡ ናይ ኤርትራ ናጻ ሃገር ምዃን ዘስዓቦ ዘይምዃኑ ብምርዳእ ንተጻብኦ ህግደፍ ተቓሊስና ንምውጋዱ ብዝሓዝናዮ መንገዲ ካብ ምቕጻል ካልእ መተካእታ  የብልናን።     

ቃልሲ ንምህናጽ ሃገረ-መንግስትን ምዕቃብ ሓድነትን ኣብ ኤርትራ፡ ካብቲ ኣብ ብረታዊ ቃልሲ ዝተኸፍለ  ዝተሓተ ዋጋ ዝሓትት ክኸውን እዩ ዝብል ትጽቢት ህዝብና እዩ ነይሩ።  ካብቲ ተስፋ ዘሕደረሉ ምኽንያታት፡ እቲ ቃልሲ ኣንጻር ባዕዳዊ ሓይሊ ዘይምዃኑን ከም ውጽኢት ናይቲ ቃልሲ ድሕሪ ናጽነት ኩሎም ኤርትራውያን ማዕረ ተጠቀምቲ ክኾኑ እዮም ዝብል እምነት ከም ዝነበሮ ምጥቃስ ይከኣል። ኣብ ቃልሲ ምህናጽ ሃገር፡ ዓቕሚ እንተዘይጐዲሉና፡ ንመሰል ኤርትራውያን ኣዋሲኑ ስልጣኑ ቅድሚት ዝሰርዕ ስሱዕ ምምሕዳር ክህሉ  ኢዩ ዝብል ግምት ናይ ውሑዳት እዩ ነይሩ። ኣብ ፖለቲካ ኤርትራ ንኹሉ ብሒቱ “ኤርትራ ነዓይ ጥራይ  ዝብል ግጉይ ኣሰላልፋ ክህሉ ብሓፈሻ ትጽቢት ኤርትራውያን ኣይነበረን። እዚ ዘመልክቶ ከኣ ህዝቢ ኤርትራ ኣብ ግዜ ንናጽነት ዝተቓለሱ ደቁ፡ ኣብ ኤርትራ ከምቲ ዝኾኖ ዘሎ ከጋጥም እዩ ዝብል ስግኣት ዘይነበሮ ምዃኑ እዩ።  ምስዚ ግን፡ ካብ ቅድሙ እቲ ብግብሪ ዝተራእየ ኩነታት ከየጋጥም ስግኣት ዝሓደሮም፡ ብዓንተቦ ንምግትኡ ዝተቓለሱ ፖለቲካዊ ውድባትን ግዱሳት ባእታታትን ነይሮም ኢዮም።

ሕማቕ ኣጋጣሚ ኮይኑ፡ ድሕሪ ናጽነት ወርሒ ኣብዘይመልአ ግዜ፡  ሓቀኛ ጸረ ህዝቢ ባህርያቱ ሓቢኡ ዝጸንሐ፡ ደሓር ግና ብጋህዲ ሕድሪ ሰማእታት ዝጠለመን ሕማቕ ክፈዲ ዝተዓጥቀን ጉጅለ ካብ ትጽቢት ህዝቢ ኤርትራ ወጻኢ ተጋሂዱ። እነሆ ከኣ እቲ ብህዱእ ኩነታት ክካየድን ብውጽኢቱ ኩሎም ኤርትራውያን ብማዕረ ዝጥቀምሉን ክኸውን ትጽቢት ዝተገብረሉ ቃልሲ ምትካል ቅዋማውን ዲሞክራስያውን ስርዓት፡ “ንማይ ዝበልንዮስ ንበረድ ኮነ ከም ዝበሃል፡ ብኣንጻሩ ኮይኑ።  እቲ እምበርከ፡ እቲ 2ይ ምዕራፍ ቃልሲ ከምቲ ናይ ናጽነት  ኣብ 30 ዓመትከ ክውዳእ ድዩ ኣይፋሉን?” ዝተባህለ እነሆ 33 ዓመቱ መሊኡ። ብመንጽር ዝተኸፍለ ዋጋ ክምዘን እንከሎ ‘ውን፡ ኣብ ኩሉቲ ድሕሪ ናጽነት ዝተኣጐደ፡ ግና ከምኡ ክኸውን ዘይነበሮ ውግኣት፡ ካብቲ ኣብ ናይ 30 ዓመታት ቀዳማይ ምዕራፍ ጉዕዞ ቃልስና  ዝተኸፍለ ዋጋ ዝበዝሐን ዝመረረን ኮዩ። ንናይ ህዝብና ናይ ንዕብየትን ሰላምን ትጽቢት ከኣ  ንቁልቑል ነቚትዎ ።   

ርሑቕ ከይከድና፡ ኣብዚ ንዝክሮ ዘለና መበል 33 ዓመት መዓልቲ ናጽነት ኤርትራ ኮይና፡ ብዛዕባ ዝሓለፈ ናይ 63 ዓመታት በሊሕ ቃልሲ ከነስተንትን ናይ ግድን እዩ። ምስትንታን ብድፍኑ ዘይኮነ፡ “ከመይ ሓሊፍናዮ? ኣብ ከመይ ኩነታትከ ኣለና? እንታይከ ይጽበየና ኣሎ? ኢልና ክንሓትትን ክንምልስን ግቡእ እዩ።

ከም መቐጸልታ ናይቲ ኣብ ተመኩሮና ዝተራእየ፡ ብሓባር ከቃልስ ዝኽእል ሰፊሕ ጽላል ናይ ምርካብ ጻዕሪ፡ ሎሚ እውን ዕማም ኤርትራውያን ሰልፍታት፡ ውድባት፡ ግንባራትን ህዝባዊ ምንቅስቓሳትን ኮይኑ ዘሎ እዩ። ተበግሶ ፖለቲካዊ ሓይልታት ኤርትራ (ፖሓኤ)ን ካለኦት ንቕሎታትን ኣብ ሕድሕዶም ዝነበረ ምጽልላም፡ ምጥቕቓዕን ምንጽጻግን ዘህደአ ምዃኑ ዘይከሓድ እዩ። ምስዚ ግና ጉዕዞና ትሕቲ ትጽቢት ናይ ለውጢ ድሌት ህዝብና ምህላዉና ተገንዚብና፡ ኣብ ቅድሜና ተገቲሩ ዘሎ ሓላፍነት ክንፍጽም ከም ዝግበኣና ኣብዚ ታሪኻዊ ኣጋጣሚ ምዝካሩ ኣገዳሲ እዩ።  ሰልፊ ዲሞክራሲ ህዝቢ ኤርትራ (ሰዲህኤ)፡ ከም ወትሩ ሕድሪ ሰማእታት ኤርትራ ብምጽናዕ፡ ኤርትራዊ ናይ ለውጢ ሓይልታት ብሓባር ዝቃለስሉ መድረኽ ንምፍጣር ኣብ ዝግበር ቃልሲ ከይሰልከየ፡ ኩሉ ካብኡ ዝድለ ከበርክት ቅሩብ ምህላዉ ደጊሙ ዘረጋግጸሉ ታሪኻዊ ናይ ዝኽሪ መዓልቲዩ። ሓይልታት ለውጢ ኤርትራ’ውን ንኹሉ ተበግሶታት፡ ነቲ ኣቐዲሙ ዝተነጽፈ ኣውንታዊ ባይታ ንድሕሪት ብዘይመልስ ኣመሓዲሩ ክቕጽሎ ትጽቢት ይግበረሉ።

እቲ ካልእ ንመበል 33 ዓመት ናጽነት ኤርትራ ክንዝክር እንከለና ጓሲናዮ ዘይንሓልፍ፡ ሎሚ ብፍላይ ኣብ ጐረባብትናን ዞባናን ብሓፈሻ ከኣ ኣብ ኣህጉርና ዝረአ ዘሎ ዘይርጉእ ኩነታትን ቅልጡፍ ናይ ሓይልታት ኣሰላልፋ ለውጥታትን እዩ። ኩለ-መዳያዊ ወጽዓ ህግደፍ ኣብ ልዕሊ ህዝብና መሊሱ እናገደደ ዝከይድ ዘሎ እዩ። ጉዳይ ኢትዮጵያን ትግራይን ኣብ ሰላማዊ መስርሕኳ እንተሎ ምሉእ ብምሉእ ኣብ ዘተኣማምን ደረጃ ኣይበጽሐን። ውግእ ሱዳን ካብ ዝጅመር ዓመቱ ሓሊፉ እዩ፡ እንተኾነ ብዘይካ እቲ ዕንወትን ሞትን ምምዝባል ምግዳዱ ብሰላም ናይ ምድቃሱ ተስፋ የለን። ኣብ ጐረቤት ዘሎ ዘሻቕል ዝምድናታት፡ ኤርትራን ኢትዮጵያን፡ ኢትዮጵያን ሶማሊያን  ናይቶም ብርሑቕ ዘሳውርዎ ዘለወ ሓይልታት ኢድ ኣእታውነት ወሲኽካ ኣዝዩ ዘሰክፍ ስለ ዝኽኾነ ኣቓልቦና ማዕሪኡ ክብርኽ ይግበኦ።

እዚ ዘይርጉእ ምዕባለታት ንህግደፍ መፍቶቱ ምዃኑ በቲ ዘርእዮ ዘሎ ላዕልን ታሕትን ምርድኡ ኣየጸግምን። እንተ ንህዝብና፡ በቲ ህግደፍ ከምስል ዝጭረሖ “ምውሓስ ሰላም ብመኸተ” ኣብ ውግእን ወረ ውግእን ከንብሮ ከምዝደሊ ኣጸቢቑ ዝርደኦ እዩ። ስለዚ ህዝቢ ኤርትራ ኣብዚ ታሪኻዊ ዝኽሪ  ኣንጻርቲ ናይ ኩሉ ሕማቕካ ጠንቂ ዝኾነ ህግደፍ ድምጽኻ ከተስምዕን ቃልሲ ከተበርኽን ከም ዝግበኣካ ምዝኽኻር መልእኽትና እዩ።

ዘልኣለማዊ ዝኽርን ክብርን ንሰማእታት ኤርትራ!

24 ጉንበት 2024

ከምቲ “ሓባልሲ መጠመቲኣ ትኮሓል” ዝበሃል፡ ጉጅለ ህግደፍ ኣብዚ ዝሓለፈ ቅንያት፡ ከይሓፈረ፡ “ህልው ኩነታትን ኣንፈት ብሩህ መጻእን” ዘርእስቱ ርእሰ ዓንቀጽ ኣብ ልሳናቱ ዘርጊሑ። ኣብዚ ከዛርብ ዝቐነየ ርእሰ ዓንቀጹ ድማ ኣብ ባይታ ዘየለን ኣብ ሕድሕዱ ዝጓነጽን ሓሳባት ዘስፈረ ኮይኑ፡  ካብቲ ክሕባእ ዘይኽእል ንመንነቱ ዘቃልዕ ዝተኣመነሉ ሕሳባት ከም ዘለዎው እውን ተዓዚብና። ኣብቲ ህልው ኩነታትና፡ ካብ ሕሉፍ ኩነታትና ዝተነጸለ ኣይኰነን” ብዝብል  ዘስፈሮ ካብ ዝተኣመነሉ ሓቅታት ሓደ እዩ ኢልካ ምውሳድ ይከኣል። ምኽንያቱ ህግደፍ ኣብዚ እዋንዚ ኣብ ልዕሊ ህዝብን ሃገርን ኤርትራ ዘውርዶ ዘሎ ይቕረ ዘይበሃሎ በብዓይነቱ በደላትን ገበናትን ሱር ሰዲዱ ዝጸንሐን መቐጸልታ ናይ ዝሓለፈን እምበር፡ ሃንደበት ካብ ሰማይ ዝነጠበ ከምዘይኮነ ህዝቢ ኤርትራ እውን ኣጸቢቑ ስለ ዝርደኦ።

“ኣብ መንጎ ውድብን መንግስትን ህዝብን ዘሎ ሓድሕዳዊ ምትእምማን  እዚ ድማ  ሓደ ካብቲ ህግደፍ ዓይኑ ብጨው ተሓጺቡ ከም ዝሕሱ ዘርኢ እዩ። ብመሰረቱ ኣብ ኤርትራ ኣሎ ዝብሎ ዘሎ መንግስቲ፡ መንግስታዊ መሓውርን ህዝባዊ መሰረትን ዘየብሉ፡ ናብ ደረጃ ናይ ውልቀሰብ ገባርን ሓዳግን ወሪዱ ዘሎ ምዃኑ ምግንዛብ የድሊ። እቲ ውድብ ዝበሃል ዘሎ ህግደፍ እውን ከምቲ መንግስቲ ንቡር ውድባዊ መዐዕቀንታት  ዘየማልእ፡ ናብ ስለያዊ ትካል ዝወረደ ኣብቲ ካለኣይ ጁባ ናይቲ ዲክታቶር ተስኲዑ ዘሎ ስማዊ እዩ። ስለዚ እዞም መንግስትን ውድብን ዝበሃሉ ዘለዉ፡ ኣይኮነንዶ ምስ ህዝቢ ኤርትራ ሓድነትን ምትእምማንን ክፈጥሩስ፡ ነንገዛእ ርእሶም ህልውናኦም ዘህሰሱ እዮም። ብመንጽር እታ ኣብ ኣፍ ሞት ዘላ ህልውናኦም እንተወሰድናዮም እውን፡ ምስ ህዝቢ ዓይንን ሓመድን እምበር ምትእምማን የብሎምን ጥራይ ዘይኮነ፡ ህዝቢ ኤርትራ ካብ ሕልናኡ ኣውጺኡ ብዓይኒ ጽልኢ ዝርእዮም ብዓመጽን ኣስገዳድን ዝነብሩ ንጹላት እዮም። ኣብ ከምዚ ዝኣመሰለ ህሞት እዮም እምበኣር እቶም ብሰንኪ ግብሮም ዝሃሰሱ ጉጅለን መንግስትን፡ ዘይምልከቶን ዘይግበኦን ህዝባዊ ካባ ክለብሱ ህርድግ ዝብሉ ዘለዉ።

“ኤርትራ ሃገር ማሕበራዊ ፍትሒ ያ”፡  እዚ ኣብቲ ርእሰ ዓንቀጽ ሰፊሩ ዘሎ ኣበሃህላ፡ ንኤርትራን ህዝባን ዝግበኦም ምዃኑ ኣየዳድን። ምኽንያቱ ህዝቢ ኤርትራ፡ ልዕልና ፍትሒ ዝኣምን፡ ስሩዕ መንግስታዊ ኣካላት  ኣብዘይነበረሉ ’ውን ብሕጊ እንዳባ ናይ ምምሕዳር ነባርን ሃብታምን ተመኩሮ ዘለዎ ስለ ዝኾነ። ዝኾነ ይኹን “ዝባን ሕጊ” ተባሂሉ ክግዘት እንከሎ ቀጥ ኢሉ እዩ ዝምእዘዝ። ኣብ ግዜ ቃልሲ ኣብቲ ናጻ ዝወጸ ከባብታት ዝነበረ መስርሕ ፍትሒ “ዝባን ስዉኣት ተጋደልቲ” ክበህል እንከሎ ምንቕ ብዘይምባል ንሕጊ ዝምእዘዝ ምዃኑ ዘመስከረ ፍትሓዊ ህዝቢ እዩ። እንተ’ቲ፡ ኣብ ግዜ ምምሕዳሩ፡ ሃለዋት እሱራት ዝሓብእ፡ ዝቐትል፡ ዝጨዊ፡ ኣገዲዱ ዝዐስክር፡ መሰል ምቛም ጠበቓ ዝነፍግ፡ ብወተሃደራዊ ቤት ፍርዲ ዝቐጽዕ፡ ንብረት ዜጋታት ዝዘምት፡ ባህሊ ዘበላሹ ……. ወዘተ ጉጅለ፡ ኣብዚ እዋንዚ ንኤርትራ፡ “ሃገር ማሕበራዊ ፍትሒ እያ”  ዝብለሉ ሞራልን ግብርን የብሉን።

“ኤርትራ ብሰንኪ ኵናትን ተጻብኦን፡ ማዕረ ህዝባውን ባህርያውን ጸጋታታ፡ ብመጠን ዝሓለነቶን ዝተበገሰቶን ኣብ ህንጸት ቁጠባን ምምሕያሽ መነባብሮ ህዝባን ክትግስግስ ዕድል ዝተነፍጋ ሃገርያ”  ዝበሎ’ውን ኣሎ። እወ ኤርትራ ርቡሕ ባህርያዊ ጸጋታትን ትጉህ ህዝብን ከለዋ ብሰንኪ ህግደፍ ብዙሕ ዕድላት ዝተነፍጋ እይ። ናይቲ ብጸጋታታ ናይ ዘይምጥቃማ ጠንቂ ዝተባህለ ኲናትን ተጻብኦን “መን እዩ ዋንኡ?”  ዝብል እዩ እቲ ቁምነገር። ስለዚ እቲ ቅድም ክጥቀስ ዝግበኦ ቅኑዕ ኣበሃህላ “ተጻብኦን ኲናትን ንኤርትራ ብጸጋታታ ከይትጥቀም ዓንቂፍዋ” ዘይኮነ፡ “ነቲ  ተጻብኦን ዕንቅፋትን ዝጻሕተሮ ህግደፍ እዩ” ዝብል እዩ። በዚ እዩ ከኣ  ናይ“ወቒዕካ  ምእዋይ” ሸፋጢ ፕሮፖጋንዳ ህግደፍ እዩ ክቃላዕ ዝግበኦ።

“ኤርትራ ናይ እንዳማታ መሬት ዘይትጥምት፡ ናይ ካልኦት ናጽነትን ልኡላውነትን ግዝኣታዊ ሓድነትን እተኽብርምበር ዘይትጥሕስ፡ ብመንጽሩ ድማ፡ ንነብሳ ንምክልኻል ናይ ማንም ፍቓድ ዘይትሓትትን ናብ ዝዀነ ቁሊሕ ዘይትብልን ሃገርያ።” እዚ ኣበሃህላ’ዚ ብልክዕ ንህዝቢ ኤርትራ ዝገልጾ እዩ። ምኽንያቱ ኩሉ ታሪኽ ቃልሲ ህዝቢ ኤርትራ ንመሰሉን ንናጽነቱን እምበር ናብ ምግሃስን ምዕማጽን ናይ ካለኦት መሰልን ናጽነትን ዘቕነዐ ስለ ዘይጸንሐን ዘይኮነን። እንተ ህግደፍ ናይ ህዝቢ ኤርትራ ፍትሓውነት፡ ትብዓትን ጽንዓትን መዝሚዙ ነቲ ዝተበላሸወ ምስሉ ብኸምቲ ኣብቲ ርእሰ ዓንቀጽ ኣጸባቢቑ ዘስፈሮ  ክገለጽ ዝኽእል ግብሪ ፈጽሙ የብሉን። ስለዚ ኢና ድማ፡ ተግባርን ሞራልን ህግደፍን ምስ ናይ ህዝቢ ኤርትራ ክልተ ተጻረርቲ ጫፋት እዮም እንብሎም።  ምኽንያቱ ህግደፍ ፍልልያት እናተዓባበየን ጽልኢ እናጻሕተረን ካብ ሱዳን ክሳብ ጅቡትን የመንን ከምኡ ድማ  ካብ ኢትዮጵያ ክሳብ ኮንጎ ዝዝርጋሕ ውግኣት ከካይድ ከም ዝጸንሐ ሎሚ ናይቲ ውዕሎታት ዝርዝር ናይ ዓይኒ መሰኻክር ዘዘንትዉዎ ዘለዉ እዩ። ብደረጃ ኣህጉራዊ ቤት ፍርዲ ከይተረፈ እውን “ጀማሪ ውግእ” ተባሂሉ ከም ዝተቐጽዐ እንፈልጦ እዩ።

እዚ ጌና ክሳብ ሎሚ ውግእ ካብ ናይ ምህዳን ሕዱር ሕማም ዘይወጸ ህግደፍ፡ ንሓቀኛ መንነት ህዝቢ ኤርትራ መዝሚዙ፡ “ናጽነትን ግዝኣታዊ ሓድነትን” ናይ ካለኦት ዘኽብር መሲሉ ክቐርብ እሞ ሰማዒ እዝኒ ክረክብ ምሕላኑ ጥራይ ዘገርም እዩ። ትማሊ ተጠሊዑ፡ ንሓንሳብ ንኤርትራ ናይ ካልእ ሃገር መራሒ  ክዕድመላ እንከሎ፡ ናይ ኢትዮጵያ ሓድነት ምሕላው ስቕ ኢልና ንዕዘቦ ዘይኮነ፡ ቀዳምነትና እዩ ክብል እንከሎ፡ ወያነ ጸወታ ተወዲኡ ኢሉ ክጭርሕ እንከሎ፡ ዝሰምዐን ዝረኣየን ህዝቢ ኤርትራ፡ በዚ ስንኩፍ ስብከት ክዕሸወለይ እዩ ኢሉ ምሕላኑ ድማ፡ እቲ ዕሽነት ምስኡ ከም ዘሎ ዘርኢ እዩ። እቲ ዝኸፍአ ከኣ ነዚ ዘቃልሑ የወሃት ምህላዎም እዩ።

“ኤርትራ……ሎሚውን፡ ካብ ሓሳድን ተጻባኢን መሊኣ ኣይተናገፈትን፡ ካልእ መልእኽቲ ርእሰ-ዓንቀጽ ህግደፍ እዩ። ብዓይኒ ህግደፍ እቶም ሓሳዳት ዝበሃሉ ዘለዉ ትግራይ፡ ኣመሪካን ካለኦት ምዕራባውያንን ምዃኖም ምግማት ኣየጽግምን። ሓሳዳት ዝበሃልሉ ዘለዉ ከኣ ነቲ በግዜኡ ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ኤርትራ ኮነ ኣብ ልዕሊ ካለኦት ህዝብታት ዝፍጽሞ ማእለያ ዘይብሉ ጸረ ሰብኣዊ በደላትን ግህሰታትን “ሕራይ ገበርካ ኣገናዕ”  ኢሎም ስለ ዘይንኣድሉ እዩ። ብዓይኒ ህግደፍ “ዓገብ” ዝብሎ ሓሳድ እዩ። ኩሉ ገዲፍካ ግና ንህዝብና እቲ ቀንዲ ሓሳድ ባዕሉ እዩ። ምኽንያቱ ናይ ህዝቢ ጽቡቕ ክርኢ እንከሎ፡ ዓይኑ ደም ዝነብዕ ቀናእ ስለ ዝኾነ።