ኢትዮጵያ ኣብ መንጎ ኣፍደገ ባሕሪ ምውናንን ኣገልግሎት ምርካብን
2026-03-01 12:46:06 Written by ቤት ጽሕፈት ዜና ሰዲህኤ Published in EPDP Editorial Read 247 timesኣብዚ ዝረአ ዘሎ ናይ ኤርትራን ኢትዮጵያን ናይ ወጥሪ ዓመታት፡ ብመንግስታዊ ማዕከናት ዜና ኢትዮጵያ ክደጋገሙ ካብ ዝጸንሑን ዘለዉን ብሂላት፡ “ መራሕቲ ሃገራትን መንግስትታን፡ ኣፍደገ ባሕሪ ኤርትራን ወደብ ዓሰብን ናይ ምውናን ሕቶና ደጊፈምዎ” ዝብል ኮይኑ ጸኒሑን ኣሎን። ከምዚ ኢለሙና እናተባህሉ ዝጥቀሱ ድማ ናብ ኢትዮጵያ ዘዝገሹ መራሕቲ ሃገራትን ላዕልዎት ሓለፍትን ጥራይ ዘይኮኑ፡ ኣህጉራዊ ትካላት እውን ስመን ይጥቀስ’ዩ። ኣብዚ ውድብ ሕቡራት ሃገራት፡ ሕብረት ኣፍሪቃን ሕብረት ኤውሮጳን ወትሩ እዩ ኣስማተን ዝጽዋዕ።
ኣብዚ ቀረባ ናብ ኢትዮጵያ ገይሹ ዝነበረ ሚኒስተር ወጻኢ ጉዳይ ቻይና፡ “ንሕቶና ኣብ ኣፍደገ ቀይሕ ባሕርን ወደብ ዓሰብን ደጊፍዎ” ተባሂሉ ዳንኬራ ካብ ዝተወቕዓሎም ሓደ ነይሩ። መገሻ መራሒ ቱርኪ ጠይብ ኦርዶጋን ናብ ኣዲስ ኣበባ እውን ብተመሳሳሊ ክግለጽ ተፈቲኑ እዩ። ብግብሪ ግና እዞም ዝተጠቕሱ መራሕቲ ኮኑ ንውድብ ሕቡራት ሃገራት ወሲኽካ ኩሎም ኣብዚ ጉዳይ ርኢቶ ክህቡ ዝተሓተቱ፡ “ናይ ሃገራት ልኡላውነት፡ ግዝኣታዊ ሓድነትን ነዚ ዝምልከት ዓለምለኻዊ ሕግታትን ብዘይጥሕስ ክመሓደር ይግበኦ” ከይበሉ ዝሓለፍዎ የለን።
እዚ ርኢቶ ብዙሓት መራሕትን ላዕለዎት ሰብ መዝን ሃገራትን ትካላትን፡ ነቲ ፈደራላዊ መንግስቲ ኢትዮጵያ ኣፍደገ ቀይሕ ባሕርን ወደብ ዓሰብን፡ እሞ ድማ ብሓይሊ፡ “ክንምንዝዕ ኢና” ክብሎ ንዝጸንሐን ዘሎን ዝድግፍ ዘይኮነ፡ ብሰንጣቕ ዝጻረር እዩ። ደሓር ከኣ ስለምንታ እዩ መንግስቲ ኢትዮጵያ፡ ከምቲ “ኩሉ ናብ ዕዳጋ ዘውረድካዮ ምህርቲ በቲ ዝተጸበኻዮ ዋጋ ክሽየጠልካ ናይ ግድን ከምዘይከውን”፡ ኣብ ዲፕሎማሲያዊ መስርሕ እውን “ዘዘቕረብካዮ ሓሳብ ብኹሎም ወገናት ተቐባልነት ምርካብ ናይ ግድን ከምዘይኮነ ምርዳእ ስኢኑ? ዝብል ኣዛራቢ ኮይኑ ኣሎ። ከምዚ ናይ ኢትዮጵያ ዝኣመሰለ ዓመጽ ዝድገፍ ዘይኮነ፡ ክትህቅኖ’ውን ብጥሕሰት ዓለም ለኻዊ ሕጊ ከቕጽዕ ዝግበኦ እዩ። ምናልባት ነቲ ንዓለምና ከይዕብላላ ዘስግእ ዘሎ ናይ ሓያላት ልዕልና ንምስናይ ከይከውን ዝግመት’ዩ። መራሕቲ ኢትዮጵያ ነቲ “ክንድቲ ዝሃረፍካዮ ኣግዚፍካ ኣይትኾልስ ከይሓንቀካ” ዝብል ምሳልያዊ ኣዘረርባ ዘስተብህል ትዕግስቲ ስኢኖም ዘለዉ’ውን ይመስሉ።
መራሒ ቱርኪ ኣብ ኣዲስ ኣበባ ኣብ ዝሃቦ ጋዜጣዊ መግለጺ፡ ሃገሩ ኣብዚ እዋን’ዚ፡ “ኣብ ኢትዮጵያ ኮነ ኣብ ዞባ ቀይሕ ባሕሪ ሓድሽ ጐነጽን ህውከትን” ክህሉ ከምዘይትደሊ ጠቒሱ፡ “ቀርኒ ኣፍሪቃ ከኣ ዓውዲ ውግእ ወጻእተኛታት ክኸውን ኣይግበኦን፡ ምኽንያቱ ንህዝቢ እዚ ከባቢ ተወሳኺ ሕሰምን ጸገምን ዘስዕበሉ ስለ ዝኾነ” እዩ ኢሉ። ናይዚ ሓላፍነታዊ ርኢቶ ትርጉምን መንፈስን ቀይርካ፡ “ቀይሕ ባሕሪ ኤርትራ ወኒንካ፡ መደበር ሓይሊ ባሕሪ ናይ ምህናጽን ወደብ ዓስብ ናይ ምውናን ሕቶና ደጊፍዎ” ምባል፡ ምናልባት ነቲ ብኣምሓርኛ ዝበልናዮ ኣይሰምዖንዩ ካብ ዝብል ይኸውን።
ከምቲ ግቡእ ግና ተተርጒሙ ምስተዋህቦኸ እንታይ ይብል ኢልካ ምሕሳብ መተገበአ። በዚ ኮነ በቲ በቲ እቲ ኣበሃህላ ናይ ጥዕና ከምዘይኮነ ምርድዳኡ ዘጸግም ኣይኮነን። ደሓር ከኣ ቱርኪ ኣብዚ እዋንዚ ምእንቲ ልኡላውነትን ግዝኣታዊ ሓድነትን ሶማሊያ ከይገሃስ፡ ንሶማሊላንድ ኣፍልጦ ሃገርነት ክወሃባ ኣይግባእን ትብል ዘላ ሃገር ክነሳ፡ በየናይ መለክዒ እያ “ልኡላውነትን ግዝኣታዊ ሓድነትን ኤርትራ ንክግሃስ ደጊፋ እትበሃል?”
እንተ’ቲ “ኢትዮጵያ ሓንቲ ካብተን 44 ዕጹዋት ሃገራት’ኳ እንተኾነት፡ መሰል ተጠቃምነት ኣፍደገ ባሕሪ ኣለዋ” ዝብል፡ ውሁብን ብዙሕ ዓውዓው ዘየድልዮን እዩ። ምኽንያቱ ብኣፍልጦ፡ ስምምዕን ናይ ሓባር ተጠቃምነትን ናይ ዝመረጸታ ወናኒት ኣፍደገ ባሕሪ ጐረቤታ ሃገር፡ ተላዚባ መእተውን መውጽእን ክትረክብ፡ ደገፍ ዓለም ለኻዊ ሕጊ እውን ስለ ዝህልዋ። እንተ’ቲ ዘይናትካ ምውናን ዘበት እዩ። ኢትዮጵያ ካብ እትፍጠር ጀሚራ ክትጥቀመሉ ዝጸንሐት ተመኩሮን ኣገባብን ስለ ዝኾነ ከኣ፡ ሎሚ ከም ሓድሽ ከመይ ገይራ ወደብ ከም እትጥቀም ዝንገራ ሃገር ክትከውን ኣይመተገበን።
እቲ ኣብ ኢትዮጵያ ካብ ምውሳኽ ቁጽሪ ህዝቢ ጀሚርካ ብዙሕ ለውጥታት ይረአ ኣሎ ዝበሃል፡ ብዙሕ ዘዛርብ ኣይኮነን። እቲ ለውጥታት ብዝኾነ መንገዲ ልኡላውነትን ግዝኣታዊ ሓድነትን ጐረቤታ ከምኡ ከኣ ዓለም ለኻዊ ሕግታት ናይ ምቕያርን ምጥሓስን ክብደት የብሉን። ፍልልይ ትርጉም “ተጠቃምነትን ምውናን” እናደባለቕካ ሰላማዊ ብዝመስል ቃላት እናቐባእካ ዝውቃዕ ዘሎ ዳንኬራ ንዝተወሰኑ ወገናት የደናግር ከምዘሎ ርኡይ እዩ። እንተኾነ፡ “እቲ ሓቂ ካብ ሓቁ ስለ ዘይሓልፍ” ኣብ ክቢ ጠረጴዛ ኮፍ ምስ በልካ፡ እዚ ብልጽግና ብዝመርሖ መንግስቲ ዝስማዕ ዘሎ ዓውዓው፡“እንተፈታሕካዮስ ቁጻር ጥራይ” ካብ ምዃን ዝሓልፍ ኣይኮነን።
ህግደፍን ብልጽግናን ትማሊ“ማይን ጸባን ኢና” ይበሃሃሉ ከምዘይነበሩ፡ ሎሚ መራሕቶም፡ ኣብ ሕድሕዶም ምጽልላም ከዘንትዉ ንሰምዖም ኣለና። ካብቲ ኣበሃህላኦም ከም ዝተጠላለሙ ምግማት ዘጸግም ኣይኮነን። ባዕላቶም ዝድርጉሕዎ ዘለዉ ቃላት’ውን ዝያዳ ገላጺ እዩ። እንተኾነ እቲ ተሓቢኦም ዝኣለምዎ ውዲታት ንዓኣቶም እዩ ዝምልከት። ካብዚ ሓሊፉ ከምቲ “ዓንጾ ዓንጾ ንማዕጾ” ዝበሃል፡ ዘሊልካ ዘይራኸብ ከተራኽብ ኣባትር እናወጣወጥካ፡ ገምገም ባሕሪ ኮነ ወደብ ኤርትራ “ክውንን እየ” ምባል፡ ባእስኻ፡ ብቐንዱ ምስቲ ዋና ልኢላውነቱን ግዝኣታዊ ሓድነቱን ዝኾነ ህዝቢ ኤርትራን ሕብረተሰብ ዓለምን ምዃኑ ምስትውዓል ኣገዳሲ እዩ። ሕብረተሰብ ዓለም ንድፍረት ብልጽግና ኣብ ልዕሊ ክብሪ ኤርትራ ዘይድግፎ፡ ንኤርትራን ህዝባን ብምሕላይ ጥራይ ዘይኮነ፡ ጽባሕ እውን ነናብ ገዛእ ርእሱ ከም ዝመጽእን ተኸባቢርካ ምንባር ከም ዝዘርግን ብምግንዛብ እዩ።
ኣብ መንጎ ኤርትራን ኢትዮጵያን ክረአ ዝጸንሐ ናይ ነዊሕ ግዜ ፖለቲካዊ ምፍሕፋሕ ከም ዘለዎ ኮይኑ፡ ናይ 30 ዓመታት ውግእ ንናጽነት ኤርትራ፡ ናይ 1998-2000 ውግእ ዶብን ናይ ቀረባ ውግእ ትግራይን ኢትዮጵያን ዝተኸፍለ ዋጋ ምስተኸፈል፡ ኣብ ዙርያ ጠረጴዛ እዩ ተዛዚሙ። ሎሚ’ውን ዝምልከቶም ኣካላት ቅድሚ “ተኣንጐት ተሰለፍ ናብ ውግእ” ምብህሃል፡ ካብቲ ዝሓለፈ ተመኩሮ ዝተፈልየ ዕድል ስለ ዘይህልዎ፡ ቅድሚ ናብ ዓውዲ ውግእ ናብ ዓውዲ ዘተን እሂንምሂንን ክኸቱ ንጽወዖም ኣለና።