“ደቀይ ኣበይ ኣለዉ?” በል፡

2023-01-14 09:13:25 Written by  EPDP Information Office Published in EPDP Editorial Read 965 times

ርእሰ ዓንቀጽ ሰዲህኤ

ህይወትን መነባብሮን ህዝቢ ኤርትራ፡ ብሰንኪ ህግደፍ ካብ ነዊሕ ግዜ ጀሚሩ ክሳብ ክንደይ ዝተዘባረቐን ዝተመሳቐለን ኮይኑ ከም ዝጸንሐን ከም ዘሎን ብሩህ እዩ። ከም መግለጺ ናይ ዝተዘባረቐ ህይወቱ ከኣ፡ ገሊኡ ኣብ ዓዲ ገሊኡ ኣብ በረኻ፡ ገሊኡ ኣብ ሃገር፡ ገሊኡ ኣብ ወጻኢን ኣብ ኣብያተ-ማእሰርትን ኮይኑ፡  ብጥሜት፡ ሕማምን ካልእ ጸገማት እናተሳቐየ፡ ራህዋን ቅሳነትን ዝጽበ  ዘሎ ህዝቢ እዩ።  “ህዝቢ ኤርትራ፡ ኣበይን ኣብ ከመይን ይነብር ኣሎ?” ናይ ዝብል ሕቶ ሓፈሻዊ መልሲ ከኣ  እዞም ኣቐዲሞም ዝተጠቑሱ ተርእዮታት ኣመልከቲ እዮም።

ቅድሚ ሕጂ  ኣቦታት መራሕቲ ካቶሊካዊት ቤተ ክርስትያን ኤርትራ ናብ ህዝቢ ኤርትራ “ሓውኻ ኣበይ ኣሎ?” ዝብል ንህግደፍ ዘሰንበደ ተባዕ ሕቶ ቀሪቡ ነይሩ። በዚ ሕቶዚ ዘስተንተነኳ ብዙሕ እንተነበረ፡ ንዓኡ ዝምጥን መልሲ ከምዘይረኸበ ግና ፍሉጥ እዩ። እቲ ሕቶ ክሳብ ዘይተመለሰን ንክትሓትት ዝድርኹ ምዕባለታት ክሳብ ዝቐጸሉን ተመሳሳልቲ ሕቶታት ክቐርቡ ናይ ግድን እዩ። ህዝቢ ኤርትራ ብውሽጡ ድምጾም ዘይስምዑ ብዙሓት ዘይተመለሱ ሕቶታት ኣለዉዎ። ሓደ ካብኡ “ሎሚኸ ደቅና ኣበይ ኣለዉ?” ዝብል ከም ዝኸውን ፍሉጥ እዩ። ብሓፈሻ ብሰንኪ ህግደፍ ዘጋጠሙ ምብትታናት ደቁ ነዚ ሕቶ ከቕርብ ደረኽቲ ኮይኖም፡ ናይ ደቁ ኣብ ውግእ ትግራይ ምጥባስ ድማ እዋናዊ ዝያዳ ደራኺ ምኽንያት እዩ። ህዝቢ ኤርትራ ብዛዕባ ከምዚ ዝኣመሰለ ሕቶ ምልዓሉ ቅኑዕ ኮይኑ፡ እቲ ሕቶ ኣብ ኣደባባይ ተቓሊሑ ክሳብ ዝምለስ ሓቢሩ እንተዘይተቓሊስሉ ግና ብውሽጡ ካብ ምድማይ ሓሊፉ፡ ምልኣት የብሉን።

ህዝቢ ኤርትራ ንሱ ሓታታይ ኮይኑ፡ ሓላፍነት ተሰሚዕዎ ዝምልሰሉ መንግስቲ የብሉን። ምኽንያቱ ህግደፍ ሕቶ ህዝቢ ዝምልስ ዘይኮነስ፡ ተመሊሱ ብዛዕባቲ ባዕሉ ዝፈጠሮ ጸገማትን ዕንወትን ሓታታይ ብምዃን ዘደናግር ምዃኑ ደጋጊሙ ኣረጋጊጹ ስለ ዝኾነ። ብሰንኪ ንሱ ዝተኸተሎ ግጉይን ጸዋግን ፖሊሲ፡ መናድቕ ውቅብቲ ከተማ ኣስመራ ሰኣን ጽገና እንዳፈረሰ፡ “እታ ናይ ቀደም ኣስመራ ኣበይ ኣላ?”  ኢሉ ንህዝቢ ክሓትትን ከጓጥጥን ዘይሓፍር ደረቐኛ  እዩ።  እቲ ሓቂ ከምዚ ኣብ ዝኾነሉ፡ ህዝቢ ኤርትራ ባዕሉ እዩ፡    መልሲ ናይ ሕቶኡ ናይ ምርካብ ሓላፍነት ዝወስድ። ከምኡ ስለ ዝኾነ እዩ ከኣ፡ “ሎሚኸ ደቀይ ኣበይ ኣለዉ?”፡  ኢሉ ዝሓትትን ደሃይ ደቁ ንምርካብ ዝሻቐልን።

ህዝቢ ኤርትራ ካብ ናይ ደቁ ኣብ ዘይምልከቶም ውግእ ኣትዮም ኣደዳ ሞት፡ ምምራኽን ኣካል ምጉዳልን  ሓደጋ ምውዳቕ ዘጉሂ ዝዓበየ ጉዳይ የብሉን። ምኽንያቱ እዚ ሓደጋዚ ኣብ መጻኢ ህልውናን ቀጻልነትን ኤርትራን ህዝባን ሰላማዊ ጉርብትናን ቀዳማይ ሓደጋ ስለ ዝኾነ። ኣብዚ እዋንዚ ከምዚ ዝኣመሰለ ተሪር ሕቶ ብምቕራቡ ንዝሓለፈ ብርሰትን ጉድኣትን ዝመልሶ’ኳ እንተዘይኮነ፡ ኣብ መጻኢ ብዝኾነ ኣካል ከይድገም ኣብ ምዕጋት ግና ግደ ኣለዎ። እንተ ኢሳያስ ኣፈወርቂ ንመጻኢ እውን ጋና ናብ ዝገደደ ዕንወትን ህልቂትን ይመጣጠር ከም ዘሎ ኩሉ ዝዕዘቦ ዘሎ እዩ፡  ኣብቲ “ወዮ ናታስ ንሓማታ” ከም ዝበሃል ናቱ ናይ ጫካ ኣተሓሳስባ ኣቐሚጡ፡ ንካለኦት ጐይቶት (lords) ግዝኣተ-ጫካ፡ ዝበለሉ፡ ናይ ሓድሽ ዓመት መደርኡ፡ መጻኢ ዕድል ኤርትራ ኣብ ዝምልከት፡ ልዕሊ ኩሉ ኸኣ፡ ልምዓታዊ ብድሆታትናውን ኪዓቢ ስለዝዀነ፡ ከይተዛነና ንዝሓየለ መኸተ ኣብ እነካይዶ ምድላዋት።”  ኣለና በለ። እቲ ኤርትራዊ ሓቂ ግና፡ ቁጽሪ ሓደ ልምዓታዊ ዕንቅፋት  ህግደፍ ባዕሉ ምዃኑ እዩ ዘርኢ። ኢሳያስ ኣፈወርቂ ንኹሉቲ፡ ካብ ብዘይሕገመንግስቲ ምግዛእ ጀሚርካ ክሳብ ብዘይፍርዲ  ንጹሃት ኤርትራውያን ምቕታል ዝምጠጥ ጨካን ተግባሩ ኣቐሚጡ፡ ንካለኦት ብናይ ጫካ ኣተሓሳስባ ምምሕዳር ክኸስስ እንከሎ፡ ክሳብ ክንደይ ፈውሲ ሕንኪ ዝበለዐን ጉልባቡ ዝቐለዐን ጨካን መላኽዒ ምዃኑ ዘርኢ እዩ።

ህግደፍ ንኢድ ኣእታውነቱ ብሓፈሻ ኣብ ጉዳይ ኢትዮጵያ፡ ብፍላይ ድማ ኣብ ውግእ ትግራይ “ገመል ሰሪቕካስ ጉንብሐጉንብሕ” ከም ዝበሃል፡  ንነዊሕ ግዜ ብምዕጽጻይ ክሓባብኦ ፈቲኑ እዩ። ኣብዚ ቀረባ መዓልቲ ግና ኣብ ሩሲያ ዝርከብ ጴጥሮስ ጸጋይ ዝተባህለ ኣንበሳድሩ፡ ምስቲ ኣዝዩ ተዋቓዕን ጽልኢ ዝዕድምን መግለጺኡ፡ ብዛዕባ ኣወጻጽእኦም ካብ ትግራይ ክዛረብ ተሰሚዑ። ካብቲ ዝተፈላለዩ  ዓለምለኻዊ ኣካላትን ሃገራትን  ሓላፍነት ተሰሚዕዎም  ንህልውና ህግደፍ ኣብ ትግራይ ዓገብ ዝብልዎ ዘለዉ ንምህዳም፡ “ኢትዮጵያ ጥራይ እያ ውጹ ክትብለና እትኽእል” ብዝብል ከመሳምስ ተሰሚዑ። ካብዚ ኣበሃህላኡ ካልእ ገዲፍካ ብውሕዱ፡ ህግደፍ ናብ ትግራይ ሰራዊት ምእታዉ፡ ጌና ኣብ ትግራይ ምህዉን ካብ ትግራይ ክወጽእ ከም ዝግደድን ኣረጋጊጹ። እዚ እቲ ብዶ/ር ኣብይ ኣሕመድ ዓሊ ዝምራሕ ፈደራላዊ መንግስቲ ኢትዮጵያ “ጨኪኑ ውጹ ኣይብለናን እዩ” ካብ ዝብል እምነት ዝነቅል ይመስል። ፈደራላዊ መንግስቲ ኢትዮጵያ ምስ ትግራይ ኣብ ዝኸተሞ ስምምዓትን ካልእ መግለጽታቱን ኣብ ክንዲ ብንጹር ኣግሂዱ፡ “ሰራዊት ኤርትራ ካብ ትግራይ ክወጽእዩ” ዝብል “ናይ ወጻኢ ሓይልታት” ብዝብል እዩ ክኸዋውሎ ዝፍትን። እዚ ድማ ኣብ ትዕዝብቲ ኣውዲቕዎ እዩ። ምርጫኡ ንህግደፍ ኣጸባቢቕካ ምቕራብን ገበናቱ ምኽዋልን ኮይኑ እንተቐጺሉ፡ ከምቲ ድሮ ምልክታቱ ኣብ ክልል ኣምሓራ ዝረአ ዘሎ፡ መጻኢ ኢትዩጵያ ዝኸፈአ ከም ዝኸውን ኣይርደኦንዩ ማለት ግና ኣይመስለናን።  

ህላወ ህግደፍ ኣብ ትግራይ፡ ሃሰያኡ ኣብ ልዕሊ  ህይወት፡ ክብረትን ንብረቱን ህዝቢ ክሳብ ክንደይ ከቢድ ምዃኑ፡ ዝተፈላለዩ ዘይሻራዊ ወገናት ዝምስክርዎ ዘለዉ እዩ። እቲ ቁማር ብህይወት ደቁን ንብረቱን ይካየድ ስለ ዘሎ፡ ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ኤርትራ ዝወርድ ዘሎ በደልን ሓዲሩ ዘሎ ሻቕሎትን እውን ካብኡ ኣትሒትካ ዝረአ ኣይኮነን። ካብዚ ነቒሉ እዩ ድማ  ህዝቢ ኤርትራ “ሎሚኸ ደቀይ ኣበይ ኣለዉ” ፡ ክብል ዝግደድ። ህዝቢ ኤርትራ ምሕታት ጥራይ ዘይኮነ፡ እቲ ጉጅለ ብዝምህዞ ናይ “ኣብ ትግራይ ተዓዊትና ኢና” መጠበሪ ከይተዓሸወ፡  ኣብ ምውጋድ ኣርዑት መግዛእቲ ዘድምዕ ተጽዕኖ ፈጢሩ፡ ንሕቶኡ መልሲ ክሳብ ዝረኽበሉ ንቕድሚት ክደፍእ ናይ ግድን እዩ። ሎሚ’ውን ናይ ሱቕ ምርጫ እንተወሲዱ ግና፡  ካብቲ ህግደፍ  ዝበደሎም ብዘይፍለ፡ ብህይወት ደቁ ከም ዘይተገደሰ ከም ዝውሰድ   ክዝንግዕ ኣይግበኦን።

 

Last modified on Saturday, 14 January 2023 10:24