ኢጋድ ናይ ሱዳን ኣባልነት ምምላስ ብሓጐስ ከም ዝቕበሎ ገሊጹ፡
2026-02-09 20:15:14 Written by ቤት ጽሕፈት ዜና ሰዲህኤ Published in ጽሑፋት ትግርኛ Read 38 timesበይነ መንግስታዊ በዓል ስልጣን ኣብ ልምዓት (IGAD ኢጋድ)፡ መንግስቲ ሱዳን ምሉእ ተሳታፍነቱን ኣባልነቱን ኣብቲ ትካል ንምሕዳስ ምውሳኑ በሓጐስ ከም ዝቕበሎ ብ9 ለካቲት 2026 ብዘውጸኦ መግለጺ ኣፍሊጡ። ናይቲ ትካል ፈጻሚ ኣካል ጸሓፊ ኢትዮጵያዊ ዶር ወርቅነህ ገበየሁ፡ ናይ ሱዳን ኣባልነት ምምላስ ናይ ዞባዊ ምትሕግጋዝን ምሕዝነትን መግለጺ እዩ ከም ዝጠቐሶ ኣብቲ መግለጺ ተመልኪቱ። ኣተሓሒዙ ከኣ ካብተን መስረቲ ናይ ኢጋድ ናይ ዝኾነት ሱዳን ኣባልነት ናብ ንቡር ምምላስ፡ ናይት ኢጋድ ሓድነት፡ ጽልዋን ቀዳምነታት ሰሪዕካ ምዕዋትን ከም ዘሕይል ኣፍሊጡ።
እቲ ጸሓፊ ኢጋድ ኣብቲ ዘውጸኦ መግለጺ፡ ፕረሲደንት ጅቡቲ ዑመር ገሌ ከም እውናዊ ኣቦመንበር ኢጋድ፡ ኣብ መስርሕ ንዘርኣዮ ብቑዕ ኣመራርሓን ሃናጺ ተሳትፎን ኣመስጊንዎ። ከምኡ እውን ኣብ ኣገዳስነት ዘተን ዞባዊ ውህግደትን ንዘርኣዮ ውሕልነት ንኢድዎ።
ዶር ወርቅነህ ገበየሁ ከም ጸሓፊ ምስ መንግስቲ ረፑብሊክ ሱዳን፡ ኣብታ ሃገር ዘሎ ብደሆታት ኣብ ምፍታሕ፡ ተቐራሪቡ ክሰርሕ ቅሩብ ምህላዉ ኣረጋጊጹ። ከምኡ እውን ኣብ ሱዳን ኮነ ብሰፊሑ ኣብቲ ዞባ ውሑስን ምዕቡልን መጻኢ ኣብ ምርግጋጽ ከም ዝጽዕር ቃል ምእታዉ ኣብቲ መግለጺ ተጠቒሱ።
ኤርትራ ብወገና ኣብዚ ቀረባ ግዜ ኣባልነታ ኣብ ኢጋድ ከም ዝሰሓበት ዝፍለጥ ኮይኑ፡ ኣባል ኢጋድ ሃገራት ጅቡቲ፡ ኢትዮጵያ፡ ኬንያ፡ ሱዳን፡ ሶማሊያ፡ ደቡብ ሱዳንን ኡጋንዳን እየን።
እዚ ከምዚሉ እንከሎ፡ ቀዳማይ ሚኒስተር ሱዳን ዶር ካሚል ኢድሪስ ካብ መገሻኡ ናብ ሃገሩ ኣብ ዝምለሰሉ ዝነበረ፡ ኣብ ኣዲስ ኣበባ ንዘሎ ኣንበሳደር ሱዳን ኣብ ዓለምለኸ መዓርፎ ነፈርቲ ቦሌ ጸዊዑ ብዛዕባ ንመጻኢ ኣኼባ መራሕቲ ኣፍሪቃ ዝገብሮ ዘሎ ምድላው ከም ዘዘራረቦ ተሓቢሩ።