ደቂ ኣንስትዮ፡ ፍርቂ ሕብረተሰብ እየን

2023-03-07 20:32:21 Written by  EPDP Information Office Published in EPDP Editorial Read 1450 times

ርእሰ-ዓንቀጽ ሰዲህኤ

ደቂ ኣንስትዮ ብቁጽሪ ዘይኮነስ ብተሳትፎን ኣበርክቶን ፍርቂ ኣካል ሕብረተሰብ ብምዃነን ንሳተን ከይተሳተፈኦ ዝዕወት ናይ ለውጢ መስርሕን ዕብየትን የለን። ወሳንነት ደቂ ኣንስትዮ ኣብ ሕብረተሰብ  ኣብ ኩሉ ዓውዲ ህይወት ወዲ ሰብ ዝንጸባረቕ እዩ። ካብዚ መሰረታዊ ቦታአን ብዝነቐለ 8 መጋቢት ከም ዓለምለኸዊት  መዓልቲ ደቂ ኣንስትዮ ክትክበር ተወሲና።  8 መጋቢት ናብዚ ደረጃዚ ዝማዕበለት ድሕሪ ነዊሕ ውረድ ደይብን ቀጻሊ ቃልስን እዩ።

8 መጋቢት ኣህጉራዊ  ቦታ ንክትሕዝ ዝኸኣለት ኣብታ መዓልቲ ብ1908 ኣብ ሕቡራት መንግስታት ኣሜሪካ ጾታዊ ወጽዓ ብዘንቀሎ  ኣስታት 15 ሺሕ ደቂ ኣንስትዮ ዝተሳተፋሉ ምልዕዓል ስለ ዝተራእየላ እያ።  ቀንዲ ሕቶ ናይተን ደቂ ኣንስትዮ፡ ማዕረ ክፍሊት ንተመሳሳሊ ስራሕ፡ መሰል ምድማጽ ኣብ ምርጫን፡ ገደብ ናይ ስራሕ ሰዓታትን ከም ዝነበረ መዛግብቲ ታሪኽ ይሕብሩ። ብሳላዚ ብቃልሰንን ዝተኸፍሎ መስዋእትን፡ መዓልቲ ደቂ ኣንስትዮ ብ28 ለካቲት 1909 ኣብ ሕቡራት መንግስታት ኣሜሪካ ክትክበር ጀሚራ። ድሕሪዚ ብ1910 ኣብ ከተማ ኮፐንሃገን ካብ 17 ሃገራት ዝተወከላ ኣስታት 100 ደቂ ኣንስትዮ ዝተሳተፋሉ ኮንፈረንስ ተኻይዱ። ዕላማ ናይዚ ኮንፈረንስ ብዛዕባ ድርብ ወጽዓ ደቂ ኣንስትዮን መፍትሒኡን  ምዝታይ ነይሩ። ብምቕጻል ብ19 መጋቢት 1911 ኣብ ሃገራት ኦስትሪያ፡ ደንማርክ፡ ጀርመንን ስዊዘርላንድን ዝያዳ ሓደ ሚልዮን ደቂ ኣንስትዮን ደቂ ተባዕትዮን ዝተሳተፍሉ ማዕርነት ደቂ ኣንስትዮ ዝጠልብ ሰላማዊ ሰልፍታት ተኻየደ።  እዚ ምብርባር ደቂ ኣንስትዮ ኣብ 1914-1918 ቀዳማይ ውግእ ዓለም ጠጠው ንክብል ግደ ነይርዎ። ብድሕሪኡ ኣብ ዝተፈላለዩ ቦታታትን ዕለታትን ክትዝከር ድሕሪ ምጽናሕ እታ ብ1913 ዝጀመረት 8 መጋቢት ብደረጃ ዓለም ክሳብ ሎሚ ኣህጉራዊ መዓልቲ ደቂ ኣንስትዮ ኮይና ትዝከር ኣላ። ብ1975 ከኣ ንመጀመርያ ግዜ 8 መጋቢት ኣጉራዊ  ማዓልቲ ደቂ ኣንስትዮ ኮይና ብደረጃ ውድብ ሕቡራት ሃገራት ብወግዒ ክትክበር ክኢላ።

ደቂ ኣንስትዮ  ፍርቂ  ሕብረተሰብ ኣብ ርእሲ ምዃነን፡ ጓለንስተይቲ መሰረት ሕብረተሰብ ስለ ዝኾነት ናታ ዓወት፡ ናይ መላእ ሕብረተሰብ ዓወት እዩ። “ንጓለንስተይቲ ምስትምሃር ሕብረተሰብ ምስትምሃር እዩ”  ዝበሃል እውን ወሳኒ ግደ ጓለንስተይቲ ኣብ ኩለመዳያዊ ዕቤት ንምንጽብራቕ እዩ። እዚ ተሳትፎን ማዕርነትን ደቂ ኣንስትዮ ብጭረሖን ድልየትን ጥራይ ዘይኮነ፡ ብግብራዊ ቃልሲ ከም ዝረጋገጽ ተመኩሮ ኣርእዩና እዩ። እቲ ምእንቲ ማዕርነት ደቂ ኣንስትዮ ዝግበር ቃልሲ እንተላይ ብተሳትፎ መላእ ሕብረተሰብ እምበር፡ ብናተን ፍሉይ ኣበርክቶን ጻዕርን ጥራይ ክረጋገጽ ከምዘይክእል ከኣ ካልእ  ኣብ ተመኩሮ ዝተረጋገጸ  ሓቂ እዩ።

ግደ ኤርትራውያን ደቂ ኣንስትዮ ኣብቲ ናይ 30 ዓመታት ቃልሲ ንናጽነት ወሳኒ ነይሩ።  ድሕሪ ናጽነት፡  መላእ ህዝቢ ኤርትራ በቲ ዲክታተር ኢሳያስ ዝመርሖ ዘሎ ጉጅለ ከም ዝተጠልመ ርዱእ እዩ። ናይቲ ጥልመት ስንብራት ኣብ ልዕሊተን ብሓርነትን ማዕርነትን ክካሓሳ ትጽቢት ዝነበረን ኣንጻር ድርብ ወጽዓ ዝተቓለሳ ደቂ ኣንስትዮ ዝኸበደ ከም ዝኾነ፡ ብግብሪ ዝተራእየን ዝረአ ዘሎን እዩ።

ታሪኻዊ ኣመጻጽኣን ኣገዳስነትን ኣህጉራዊ መዓልቲ ደቂ ኣንስትዮ 8 መጋቢት ነባሪ እዩ። እቲ ዝዝከረሉ ኣገባብ ግና ምስቲ እዋናዊ ምዕባለ ዝቃነ እዩ። መሰረታዊ ዕላማ ምዝካር 8 መጋቢት፡ ደቂኣንስትዮ ከም ፍርቂ  ሕብረተሰብ ኣብ ኩሉ መዳያት ህይወት ብማዕረ ክሳተፋን መሰል ናይ ተጠቃምነተን  ከውሕሳን እዩ። ነዚ ንምዕዋት “ኣብ መጻኢ እንታይ ይገበር?” ኣብ ዝብል ዝያዳ ዘድህብ ስራሓት ክሰላስላ ይግበአን። ብመንጽር’ዚ ናይ ሎሚ ዓመት 8 መጋቢት 2023 ከም ናይ ዓሚ ኣብ ሃገርና ወጽዓ ህግደፍ ምረቱ ብሓፈሻ ኣብ ልዕሊ ህዝብና፡ ብፍላይ ከኣ  ኣብ ልዕሊ ደቂ ኣንስትዮ ቀጻሊ ኣብ ዝሃለወሉ ኢና ንዝክራ ዘለና። ኮታ ኣብ  ርእሲቲ ሱር ሰዲዱ ዝጸንሐ ብዙሕ ገጻት ዘለዎ  ጸገም ህዝቢ፡ ተወሳኺ ሕሰም ኣብ ዘለዎ ኢና  ዘለና።  ከምቲ “ኣብ ርእሲ ዘላታስ ተወሰኸታ” ዝበሃል ከኣ፡ ኤርትራውያን ኣደታት መንእሰያት ደቀን ተገዲዶም ተዓስኪሮም ኣብ ዘይምልከቶም ውግእ ኢትዮዮጵያ ኣትዮም ዝሃለቕሉ መርድእ ንምስማዕ ኣብ ስግኣት ኣብ ዘለዋሉ ኢና  8 መጋቢት 2023 ትዝከር ዘላ። ነዚ ሻቕሎተን ናብ ግብራዊ ብደሆ ኣንጻር ጉጅለ ህግዲፍ ክቕይረኦ ከኣ ኣብ ቅነ እዛ ተሪኻዊት ዕለት ቃል ክኣትዋ ይግበአን። እዚ ብደሆ ናብ መላእ ሕብረተሰብ ኤርትራ’ውን ናይ ቃልሲ መጸዋዕታ ዘቕርብ ምዃኑ ክዝንጋዕ ኣይግበኦን።

8 መጋቢት ደቂ ኣንስትዮ ዝሓለፈ ቃልሰንን ኣብ መስርሕ ዝተዓወተ ሸቶን ናብ ወለዶታት ዝሰጋግራላን መሰለንን ማዕርነትንን መሊኡ ንክረጋገጽ “ብድሆ” ዝብላላ ዕለት ክትከውን ይግባእ።  ከምኡ’ውን ናብ ብሩህ ማዕረ ተሳተፍነትን ተጠቃምነትን ዝመርሕ መንገዲ ዝጸርጋላ ክትከውን ዝግበኣ። ብጽሒት ደቂ ተባዕትዮ ኣብ ቃልሲ ምእንቲ ማዕርነት ደቂ ኣንስትዮ  ኣነኣኢስካ ዝረአ ኣይኮነን። ደቂ ኣንስትዮ ተቓሊሰን ካብቲ ድርብ ወጽዓ ምእንቲ ክወጻ ምቃል ጐነን ደቂ ተባዕትዮ ኣብ ምስኣተን ናይ ምስላፍ ሓላፍነት ኣለወን። ናብዚ ንክበቕዓ ከኣ ደቂ ተባዕትዮ መተሃላልኽተን ዘይኮኑ ተደጋገፍተን ምዃኖም ተገንዚበን ነዚ ዘብቅዐን ስልጡን ኣቀራርባን ኣተሓሳስባን ክሕዛ ግድን’ዩ።

ኣብ ኤርትራ ምልኪ ኣወጊድካ፡ ብዲሞክራስያዊ ምምሕዳር ንምትካእ እነካይዶ ዘለና ቃልሲ ተሳትፎ ደቂ ኣንስትዮ ናቱ ምኽንያታትኳ እንተለዎ፣ ድሩት ምዃኑ ካብቲ ቀንዲ ሕጽረታትና ሓደ። ሰልፊ ዲሞክራሲ ህዝቢ ኤርትራ (ሰዲህኤ) ንተሳትፎ ደቂ ኣንስትዮ ፍሉይ ግምት ሂቡ እዩ ዝቃለሰሉ።  በዚ መሰረት ኣብ ፖለቲካዊ መደብ ዕዮኡ፡ ”ሰዲህኤ፡ ደቂ ኣንስትዮ ኤርትራ ልክዕ ከም እዋን ብረታዊ ቃልሲ፡ ጉጅለ ህግዲፍ ንምውጋድ ኣብ ዝካየድ  ዘይጎነጻዊ ቃልሲ’ውን ብትግሃት ክዋስኣ ዘኽእለን ባይታ ንምጥጣሕ ክሰርሕ እዩ።” ዝብል ኣስፊሩ ኣሎ። ነዚ ኣብ ግብሪ ንምውዓል   ምቅላስ ከኣ ቀንዲ ዕማም እዩ።

8 መጋቢት ኣህጉራዊ መዓልቲ ደቂ ኣንስትዮ፡ ንዘለኣለም ትንበር!

ዘለኣለማዊ ክብርን መጐስን ንሰማእታትና

Last modified on Tuesday, 07 March 2023 21:38