ኤርትራ፡ ክሳብ መዓስ ግዳይ ሓደ ሰብኣይ

2022-09-16 16:22:06 Written by  EPDP Information Office Published in EPDP Editorial Read 995 times

ርእሰ-ዓንቀጽ ሰዲህኤ

“ዘይተነግረ እምበር ዘይተገብረ የለን” ዝብል ኣበሃህላ፡ ንህልዊ ኰነታት ህዝብናን ሃገርናን ዝመስል እዩ። ምኽንያቱ  ብህግደፍ  ኣብ ልዕሊ ኤርትራን ህዝባን  ዘይተፈጸመ በደል፡ ዘይተራእየ ጥልመትን ዘይተጋሀስ መሰልን ስለ ዘየለ። ኣብ ህልዊ ዝምድና ህዝቢ ኤርትራን ሕሱም ምምሕዳር ህግደፍን ብዛዕባ ምኽባርን ዘይምኽባርን ሕግን ስርዓትን ኣየዛረብን እዩ። ምኽንያቱ ኣብ ኤርትራ ድሕሪ ናጽነት ውልቃዊ ገባሪ ሓዳግነት እምበር፡ ይሕመቕ ይጸብቕ ህዝቢ ዝፈልጦን ናተይ ዝብሎን ሕጊ የለን። ኣብ ሃገርና ገዛኢ እምበር  ሕጊ ብዘይምህላዉ፡ ህዝብና ኣብ ከመይ ዝኣመሰለ ዘገርም ሕሱም ኩነታት ወዲቑ ከም ዘሎ፡ ርእዩ ከምዘይረኣየ ክኸውን ንዝደሊ እንተዘይ ኮይኑ፡  ዓለም ብዓለማ እትምስክሮ እዩ።

ህግደፍ ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ኤርትራን ስዉኣቱን ዘርኣዮ ጥልመትን ንዕቀትን ንነዊሕ ዓመታት ዝተዘርበሉን ዝተጻሕፈሉን እዩ። መጻኢ ስንብራቱ ክሳብ ክንደይ ሓደገኛ ከም ዝኸውን ከኣ ኣይኮነንዶ ኣብቲ ኣደራዕ ዝወርዶ ዘሎ ዝተበደለ ህዝቢ፡ ኣብ ቅድሚ ካለኦት እውን ዝተመዝገበ ጸሊም ምልከት ስለ ዝኾነ፡ ሓደ፡ ክልተ፡ ሰለስተ፡ ኢልካ ዝዝርዘር ኣይኮነን። ብጥቕልሉ ዝምድና ህዝቢ ኤርትራን ህግደፍ “ዓይንን ሓመድን” ምዃኖምን ቀዳማይ ጸላኢ ህዝብና እቲ ጉጅለ ምዃኑን ምጥቃሱ ግና ኣገዳሲ እዩ። እቲ ዝነቕልሉ ኩርነዓት ደኣ ይፈላለ እምበር፡ ጸላኢ ህግደፍ ህዝቢ ኤርትራ ጥራይ ዘይኮነ፡ ብዙሓት እዮም። ህዝብታት ታይዋን፡ ዩከርይንን ትግራይን ብቐረባ ካብ ዝጥቀሱ ኣብነት እዮም። ምስዚ ኩሉ መሰረታዊ ዘይምቅዳዉ፡  ህዝቢ ኤርትራ ኣንጻር ህግደፍ ከም ናይ ህዝቢ ሱዳን ዝኣመሰለ ቀጻልን በሪኽን ናይ ተቓውሞ ድምጺ ከምዘየስምዕ ዝተዓዘቡ፡ ህዝብና  ነቲ ወጽዓ ሓንጐፋይ ኢሉ ዝተቐበሎን ዝተለማመዶን ዝመስሎም ወገናት ኣለዉ። እንተኾነ ህዝቢ ኤርትራ ዝሓዞ ዳኣ ሒዝዎ እምበር፡ ብርግጸኝነት ንመሪር ተግባራት ህግደፍ ናተይ ዝብለሉ ሕልና ፈጺሙ የብሉን።

ጉጅለ ህግደፍ ነቲ ንህዝቢ ኩሉ መሰላቱ ጠሊሙ ዝጭቁነሎ  ቅዲ ዘመናዊ ባርነት ከም ቅኑዕን ተወዳዳሪ ዘይብሉን  ገይሩ እዩ ዝንየተሉ። ባዕሉ ንባዕሉ ደኣ የፍርሶ እዩ እምበር፡ ኤርትራ ኣብ ትሕቲ ኣርዑት መግዛእቱ፡ ሰላማዊትን ብልጽግትን ኣምሲሉ ክስእላ ዘይሓፍረሉ ኣጋጣምታት ኣሎ። እቲ ዘገርም ከኣ ኢሳያስ መሳርሒ ምእንቲ ክኾኖም ዘረሳስንዎን ዘጸባብቕዎን ሓሰውቲ መሰኻኽር ዘለዉዎ ምዃኖም እዩ። ቀዳማይ ሚኒስተር ኢትዮጵያ ዶ/ር ኣብይ ኣሕመድ ዓሊ፡ ኣብ ሓደ ኣጋጣሚ “ኤርትራ ሰላማዊትን ኣብ ቀጻሊ ዕቤት ዘላን ሃገር እያ፡ እዚ ንሕና ጥራይ ንብሎ ዘይኮነ፡ ዓለም እውን ዝመስከረቶ እዩ”  ዝበሎ፡  ንኣብነት ዝጥቀስ ናይ ዘመና ግጉይ ሚዛን  እዩ። ኣብዚ ቀረባ መዓልታት፡ ብዙሕ ዘየቕለብናሉ ግን ከኣ ክሳብ ክንዳይ ሃገርና ብሕታዊት ርስቲ ሓደ ሰብ ኮይና ከምዘላ ዘርኢ “ካቢነ ሚኒስተራት ኤርትራ  ካብ ዝእከብ ኣርባዕተ ዓመት ገይሩ፡ ሃገራዊ ባይቶ ኤርትራ ካብ ዝፈርስ ከኣ ዕስራ ዓመቱ ኣሓሊፉ” ዝብል ጸብጻብ ካብ ማሕበራዊ መድያ ሰሚዕና። እዞም ካብ ምእካብ በዂሮም ዝተባህሉ መንግስታዊ ትካላት፡ ንዓና’ኳ ካብ ቀደሞም ስማውያን ምንባሮም ርዱእ እንተነበረ፡  እቲ ተረኽቦ ግና “ኤርትራ፡ ክሳብ መዓስ ግዳይ ውልቀ ሰ?” ዘብልን ንዕቀትን ብደዐን እቲ ዲክታተር ኣብ ልዕሊ ህዝብና ክሳብ ክንደይ ደረቱ ከም ዝሓለፈ ዘርእን እዩ።

እዚ ዝሓለፈ 4ተ ዓመታት፡ እቲ ዲክታተር ብዝኸፈቶ ሰልኲ፡ ብወገን መንግስቲ ኢትዮጵያ፡ ንልኡላውነት ኤርትራ ዝደናደን ብዙሕ ተርእዮታት ዝተቐልቀለሉ፡ ኤርትራውያን መንእሰያት ካብ ሃገሮም ወጻኢ ኣብ ውግእ  ጐረቤት ኣትዮም  ዝሃለቕሉን ንብረት ኤርትራ ዝባኸነሉን ግዜ እዩ። ካብዚ ሓሊፉ ስንብራቱ ብቐሊሉ ዘይሓዊ፡  እንተቐጺሉ ዋጋ ከየኽፍል ዘስግእ ጽልኢ ዝተዘርኣሉ’ውን ነይሩ። እዚ ዘይውሕሉልን ዓመጸኛን ኣካይዳ ጌና ሎሚ’ውን ህያው ምህላዉ ድማ ዘሕዝን  እዩ። ኤርትራ ከም ሃገር፡ ብሰንኪ እዉጅ ናይ ህግደፍ ኣንጻር ውጹዓት ምስላፍ፡  ዝያዳ ብሻራነት ዝተለለየት’ውን ኣብዘን ዝሓለፋ ናይ ቀረባ ዓመታት እያ። ናብዚ ሓደገኛ ዝሳዕቤኑ ካብ ዝወደቐትሉ ጠንቅታት ሓደ፡  ናይ ሓደ ዘይጥዑይ ውልቀሰብ ብሕታዊት ርስቲ ምዃና እዩ። ካብዚ ሓሊፉ እቲ ኩነታት ጥልመት መራሒ ህግደፍ፡ ብሓፈሻ ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ኤርትራ፡ ብፍላይ ከኣ ኣብ ልዕሊ’ቶም፡ ካቢነ ሚኒስተራት፡ ፈጻሚ ኣካል ህግደፍን ካልእን ዝብል ትርጉም ዘየብሉ መዝነት እናሃበ ዘላገጸሎም ኣካላት  ብግብሪ ዘርኢ እዩ። ኣብ መጻኢ ከኣ እቲ ጥልመት፡ በቲ ዝጥለም ዘሎ ህዝቢ እምበር፡ በቲ ጠላሚ ጉጅለን ከም እንስሳ “እምባሕ” ዝብሉ ሳዓብቱን ዝቕየር ከምዘይኮነ ዕዙዝ ኣስተብሎ ዘድልዮ እዩ።

ዲክታተር ኢሳያስ እዚ ኣካይድኡ ብህዝቢ ኤርትራ ተቐባልነት ዘየብሉ ምዃኑ ኣዳዕዲዑ ይፈልጥ እዩ። ዘይምቕባል ጥራይ ዘይኮነ ኩነታት እንተዘይጸጊምዎ ህዝቢ ኤርትራ ክጐሓፈሉ ከም ዝደሊ እውን ይርዳእ እዩ። ካብዚ ብምንቃል እዩ ከኣ ህዝቢ ኤርትራ ተቓሊሱ ንህግደፍ ናይ ምስዓሩ ሕልና፡ ድፍረትን ዓቕምን ንከይወነን ከምክኖ ወትሩ ዝፍትን። ነቲ ኣብ ገዛእ ሃገሩ ዘሎ ኤርትራዊ ወሳኒ ናይ ለውጢ ባእታ፡ መንእሰያቱ ብምብታንን ናይ ሕድሕድ ምእትእምማኑ ከም ዘየትርር  ንምግባሩ ንድሕሪት ከይበለ ዝሰርሕ። እዚ ሓደገኛ ሓይሊታት ለውጢ ናይ ምድኻም ተንኮሉ ተሰዓሪ’ምበር ነባሪ ከምዘይከውን  ርዱእ እዩ። ብሓፈሻ ከኣ ሓድነት ህዝቢ ኤርትራ ክሳብ ክንደይ ወሳኒ ናይ ዓወት ረቛሒ ምዃኑ ስለ ዝፈልጥ፡ ንምድኻሙ ንሓንሳብ ናይ ሃይማኖት ንሓንሳብ ከኣ ናይ ኣውራጃ ወይ ካልእ የገልግለኒ’ዩ ንዝብሎ ጸቢብ ስምዒታት፡ ክኢላ ዓቕሚ ሰብን ገንዘብን  ከነሃህር ንዕዘቦ ኣለና። ስለዚ ኤርትራውያን ናይ ለውጢ በሃግቲ፡ ጸረ ሓድነትና ዝኾነ ጉጅለ ንክንስዕሮ፡ ናይቲ “ኤርትራ፡ ክሳብ መዓስ ግዳይ ሓደ ሰብኣይ?” ዝብል ሕቶ ርጡብ መልሲ ረኺብና፡ ኤርትራ ናይ ኩልና ምዃና ዘውሕስ ሓድነት፡ ብቕዓትን ተበግሶን ክንውንን እውናዊ ግደታና ኮይኑ ቀሪቡ ኣሎ።

ጉዳይ ህዝብን ሃገርን፡ እሞ ድማ ኣብ ወሳኒ መድረኽ፡ ህግደፍ ዝጻወተሎም ስማውያን ምዃኖም ዝዘንግዑ  "መንግስታዊ” ዝበሃሉ ትካላትን ብሓደ ምግንዛብ ዝረሐቖ ሰብ እናተወሰነ ስም ጥራይ ሒዞም ዝተረፉ ሚኒስተራትን ካለኦት ሰብ መዝን፡ ንህዝቢ ኤርትራ ኢሎም ዘይኮነ፡ ነንገዛእ ርእሶም ክብሉ፡ ምስ ሕልናኦም ክመኽሩ ኣብ ዝግደድሉ ወሳኒ መድረኽ ምህላዎም ሎሚ’ውን ደጋጊምና ነዘኻኽሮም።  ካብ ንህዝቦም ክሳብ ሎሚ ንውልቀ-መላኺ ኣዳልዮምን ብግዝያዊ ረብሓ ሰዲዖምን፡ መሳርሒ ሓደ ዘይርጉእ ኣእምሮን ንሃገርን ህዝብን ዘይሓልን ኢሳያሳ ኣፈወርቂ ኮይኖም ዘለዉ ኣባላት ሓይልታት ምክልኻልን ካለኦት ኣካላት ጸጥታን ኤርትራ ካልእስ ይተረፍ፡ ነቲ ንዘይኤርትራዊ ረብሓ ዝፈስስ ዘሎ ደሞምን ዝገሃስ ዘሎ መሰሎም’ውን ከም ዘየድሓኑ በዚ ኣጋጣሚ ነዘኻኽሮም። ሎሚ  “ተመን  ኣብ እግርኻ በትሪ ኣብ ኢድካ” እናተባህሉ ርእሶም እንተ ኣድኒኖም፡  ጽባሕ ዘጣዕሶምን ኣብ ታሪኽ ዘሕትቶምን ክኸውን እዩ። ኣብዚ እዋንዚ  ደረጃኡ ደኣ ይፈላለ እምበር፡ ኩልና ኤርትራውያን ግዳይ ሓደ ሰብ ኮይና ብምህላውና፡ ሕራነ ሓዲሩና፡ “ኤርትራ፡ ክሳብ መዓስ ግዳይ ሓደ ሰብኣይ?”  ክንብል ይግበኣና።

Last modified on Friday, 16 September 2022 18:40