“ዘበንያ ግርንቢጥስ: ማይ ንዓቐብ”

2022-08-25 20:02:59 Written by  EPDP Information Office Published in EPDP Editorial Read 1319 times

ርእሰ ዓንቀጽ ሰዲህኤ

ህዝቢ ኤርትራ ኣብቲ ዝሓለፈ ናይ መግዛእቲ ዘበናት ብዝተፈላለዩ ወገናት ክጥለም ዝጸንሐ ህዝቢ እዩ።   ካብ ገዛእቱ ዝሓሸ ከጋጥሞ ስለ ዘይተጸበየ፡  እቲ ኣብ መዋእል መግዛእቲ በብመድረኹ ዘጓንፎ ዝነበረ  ጥልመታትን ክሕደታትን ኣይተሓደሶን። ብኣንጻሩ ኣብ ክንዲ ሓንጐፋይ ኢሉ ተቐቢልዎን ተለማሚድዎን ተንበርኪኹ ዝነብር ከከም መድረኹ በብዝጥዕሞ ኣገባብ ክቃለሶ ከም ዝጸንሐ ታሪኹ ይምስክረሉ። እቲ ዘገርም ከኣ ድሕሪ መሪርን ነዊሕን ቃልሲ  መግዛእቲ ምስዓሩ እውን ካብ ትጽቢቱ ወጻኢ ካብ ግዜ መንግዛእቲ ብዘይፍለ፡ ካብ መቑሕ ጠላማት ዘይምውጽኡ እዩ።

ድሕሪ ናጽነት ብፍላይ ኣብቲ ናይ መጀመርያ ዓመታት ኣንጻር ህግደፍ ዝነበረ ተቓውሞ ኣብ ውሱን ኩርናዕ ዝተደረተ ምንባሩ ዝዝከር እዩ። እዚ ሎሚ ዓለም ብዓለማ ኣጀንደኣ ገይራቶ ዘላ ናይቲ ተቓውሞ ምኽንያት እውን ክንድቲ ዝድለ ኣብቲ ናይቲ ተቓውሞ ቀንዲ በዓል ቤት ህዝቢ ኤርትራ ዝነበሮ ግንዛበን ተረድኦን ኣይነበሮን ። ጉጅለ ህግደፍ ግን ጥልመቱ ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ስለ ዝፈልጥ፡ ብዛዕባቲ ቀንዲ ጠንቂ ናይቲ ተቓውሞ፡ መን ከም ዝቃወሞን ስለምንታይ ከም ዝቃወሞን ይፈልጥ ነይሩ። እቲ ተቓውሞ ከይሳዕረረን ኣብዚ ሎሚ በጺሕዎ ዘሎ ብራኸ ንከይበጽሕን  ሓቢኡ ከምክኖ ዘይዕዉት ፈተነታት’ውን ኣካይዱ። ብዛዕባቲ ተቓውሞ ኣፍልጦን ግደን  ኣለዎም ንዝበሎም ኣዝዮም ብዙሓት ኤርትራውያን፡ ብሰላሕታ፡ ናይ ምቕንጻሉ፡ ፡ ምጭዋዩን ምእሳሩን ምስጢር ከኣ ነዚ ተቓውሞ ንሓዋሩ ናይ ምጥፋእ መደቡ መርኣያ  ምንባሩ ፍሉጥ እዩ። ብግብሪ ግና ኣይተዓወተን። እዚ ሎሚ ምስ ኩሉ ድኽመታቱ  ዝሓቑኖ ዘሎ ስፍሓትን ምኽንያታትን ሓይሊ ተቓውሞ ኤርትራ ከኣ፡ ጉጅለ ህግደፍ ንተቓውሞ ብዕሸሉ ሓቢእካ ናይ ምሕቃቕ መደቡ ከምዘይተዓወተ መስካሪ እዩ።

ህዝቢ ኤርትራ ኣብቲ ናይ መጀመርያ ዓመታት ድሕሪ ናጽነት፡ ብዝተፈላለዩ ስቱር ኣገባባት፡ ንምምሕዳር ህግደፍ ዝቃወሙ ዝተወደቡ ኤርትራዊ ኣካላት  ኣለዉ ክሰምዕ እንከሎ፡ “ሎሚ ድሕሪ ናጽነትከ ደኣ እንታይ ደልዮም እዮም ዝቃወሙ? እታ ንደልያ ዝነበርና ናጽነት ረኺብናያ ኢና”  ዝብለሉ ኩነታት ከም ዝነበረ ዝዝከር እዩ። ነቲ ህግደፍ ንኹሉቲ ደሓር ግዜኡ ሓልዩ ዝተጋህደ  ሓጥያቱን ጥልመቱን ንምሕባእ፡ ንዝተሳዕረ ስርዓት ደርግ እንዳላገበ “ዕሸል ሃገር እንዲና ንመርሕ ዘለና፡ ባዶ ሳጹን ገንዘብ እንዲና ተረኪብና፡ ህዝቢ ካብቲ ዝነበሮ ኣይነወሐን እሞ ይተዓገሰና” ክብሎ እንከሎ ምስ ኩሉ ጥርጠራኡ፡  ሓቂ መሲልዎ ዝኣመኖ  ውሑድ ኣይነበረን። ህዝቢ ኤርትራ እምነት ከሕድር እንከሎ፡ ንህግደፍ ብዛዓብቲ ዝስዕርር ዝነበረ ጥልመቱ ከምዘይተረደኦ ይመስሎ ይነብር። ህዝቢ ኤርትራ ግና “ኤርትራዊ ኮይኑስ ኣብ ልዕሊ ብመስዋእቱ ሃገር ዘውሓሰ ህዝቢ ቃሉ ዓጺፉ ዝጠልም ኣይህሉን ግዲ” ካብ ዝብል ሓቦ እንተዘይኮይኑ፡ ነቲ ድሕሪ ናጽነት ክጐናጸፎ ዝነበሮ ሓርነት ዘንጊዕዎ ነይሩ ማለት ኣይኮነን። ክዕገሶ ዝግበኦ ግዜ  ተዓጊሱ ውጽኢት ምስ ሰኣነሉ ግና ንሕገመንግስታዊ ስርዓት ፡ ንዲሞክራስያዊ ምምሕዳርን መሪሕነትን፡ ንብዙሕነታዊ ኣተሓሳስባን ኣወዳድባን፡ ንሰላማውን ልምዓታውን ሃዋህው፡  ተወዲቡ ክቃለስ ወሲኑ ግብራዊ ምንቅስቓስ ከኣ ኣርእዩ።

ህግደፍ ድሕሪ ናጽነት፡ ብሓፈሻ ኣብ ልዕሊ ኤርትራን ህዝባን  ብፍላይ ከኣ ኣብ ልዕሊቲ መንእሰይ ወለዶ ዘርኣዮ ጥልመት፡  ኣብ ዝምድና መንግስትን  ዜጋታቱን  ብፍሉይ ዝርአ  ኣሉታዊ ተመኩሮ እዩ። ካብዚ ኩነታት ብምንቃል ንኤርትራ “ኣፍሪቃዊት ሰሜን ኮርያ” ዝበልዋ ወገናት ምንባሮም ዝዝከር እዩ። እንተኾነ ኩነታት ኤርትራ ኣብ ትሕቲ ህግደፍ ካብ ኮርያ’ውን ዝገደደ  እዩ።  ምኽንያቱ ኤርትራ ንቕድሚት ዘይምስጓማ  ዘይኮነ፡ ኣብ ግዜ መግዛእቲ ዝነበራ ደረጃ ኣብ ዘይትዕቅበሉ ደረጃ ወዲቓ ዘላ  ሃገር ብምዃና። ተመኩሮ ግዱድን መጀመርታኡ እንተዘይኮይኑ መወዳእታኡ ዘይፍለጥን ውትህድርና ናይቲ ጉጅለ ጥልመት ካብ ዝተገልጸሎም ተግባራት እዩ። ጉጅለ ህግደፍ ነቲ ክሳብ ሎሚ፡ ኣብታ ብገዛእ  መስዋእቱ ዘውሓሳ ሃገሩ ኩሉ ሓርነታቱን መሰላቱን ዝነፈጎ ህዝብን፡ ንስልጣኑ ክብል ብዕድሉ ዝተጻወተሉ መንእሰይ ኤርትራን ይቕረታ ሓቲቱ፡ መጻኢ ብዲሞክራስያዊ ኣገባብ ዘመሓደሩዋን  ብናጻ ድሌቶም ዓቕሞምን ዝሃንጹዋን ሃገር መንገዲ ክኸፍተሎም መተገበኦ። ብኣንጻሩ ግና ስለምንታይ ንመግዛእታዊ ኣርዑተይ ነቐፍኩምን ተቓወምኩምን ብዝብል ብደዐን ምጉብዕባዕን፡ ከምቲ “ዘበንያ ግርንቢጥስ ማይ ንዓቐብ” ዝበሃል፡  ይቕረታ ሕተቱኒ በሃላይ ኮይኑ ዘሎ።

ኣብዚ እዋንዚ ነቶም ሃገሮም ጸሊኦም ዘይኮኑ፡ ብሰንኪ ወጽዓኡ ዝተሰዱ መንእሰያት፡ ደድሕሪኦም እናኸደን ንሕግታት ናይተን ዝነብሩለን ሃገራት እናጠሓሰን፡ “ናይ ጣዕሳ ቀጥዒ እናመላእኩም፡ እሞ ድማ ብዶላራት ኣሰኒኹም፡  ይቕረታ ሕተቱኒ”  ይብሎም ኣሎ።  እዚ ምስቲ ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ኤርትራ ዘለዎ ሕዱር ንዕቀት ካብ ህግደፍ ክትሰምዖ ዘገርም እምበር፡  ሎሚ ከም ዝጀመረ ዝውሰድ ኣይኮነን። ናይቶም ንዓመጸኛ ንዕቀቱ ተቐቢሎምን ቃሉ ኣሚኖምን ቀጥዕታቱ ክመልኡን ናይ ፈስቲቫል ዳሳቱ ኣማዕረግትን ዝኾኑ ዘለዉ መንእሰያት ተግባር  ዘሕፍር እዩ። ንስቓይ ህዝቢ ኤርትራ ዘንጊዕካ፡ ምስ ጥልመት ናይቲ ጉጅለ ተመሳሲልካ፡ ኣብ ኤምባሲታቱ ተንበርኪኽካ ናይ ጣዕሳ ቀጥዒ ብምምላእ ጥራይ ዝግለጽ ኣይኮነን። ከምቲ “ባዕላ መምጽኢት ደርፊ፡ ባዕላ መጥፍኢት ደርፊ” ዝበሃል፡ ትማሊ “ተቓወምቲ  ህግደፍ ኢና” ክብሉ ጸኒሖም፡ ሎሚ ግና “ምስ መንግስትና” ንዝብሉ ወገናት “ትማልን እንታይ ወሰደኩም ሎሚኸ እንታይ መለሰኩም?” ንዝብል ሕቶ መልሶም እንታይ ኮን ይኸውን? ሓደ ስጉምቲ ናብቲ ጉጅለ ምጽጋዕ ብክንድኡ ካብ ህዝቢ ኤርትራ ምርሓቕ ምዃኑኸ ይርደኦምዶ ይኸውን?

ህግደፍ ቀልቢ ናይቶም ኣብ ቀረባ ዝጸንሑ ዝበሎም  ንምስላብ፡   ነቲ ብዘይተጸበዮ ብራኸ ተቓውሞታት ዝሕቆን ዘሎ ፈስቲቫላቱ፡ መእከቢ ዘይሕጋዊ ኣታዊ፡ መስበኺ ልኡላውነትን መንዝሒ ናይ ጽልኢ መርዝን ክጥቀመሉ ተዓዚብና። ጸረ-ልኡላውነት ኤርትራ ዝበሎም ኣካላት እውን ዘርዚሩ። ካልእ ናይዚ ፈስቲቫላቱ ዕላማ ካብ ዘቤታዊ ተሓታተነት ንምህዳም ናብ ደገ ምምዕዳው’ዩ። ግደ ሓቂ ግና ዝያዳኡ ብጉዳይ ልኡላውነት ዘሽካዕለለ ናይ ውሽጢ ኮነ ናይ ግዳም ሓይሊ የለን። እንተልዩ’ውን ንሱ ብዝኸፈቶ ኣፍደገ ዝኣቱ እዩ። ስለዚ ኣብ ጐኒ’ዚ ጉጅለ ምስላፍ  መሳርሒኡ ካብ ምዃኑ ሓሊፉ ካልእ ትርጉም የብሉን።

ብዙሓት ብሰንኪ ህግደፍ ውልቃዊ ክብሮምን ልኡላውነት ሃገሮምን ንድሕሪት ተመሊሱ ኣጀንዳ ከም ዝኾነ ዝርድኡ ክንሶም፡ ምስኡ ኮይና  “ልኡላውነት ከነኽብር ኢና ቀሪብናዮ” ክብሉ ምስማዕ ዘየገርም ኣይኮነን። ልኡላውነት ህዝቢ ምስ ዝግህስ ወገን ተሰሊፍካ ልኡላውነት ሃገር ናይ ምዕቃብ ሓሸውየ ከኣ እዚ እዩ። ነቲ ይቕረታ ክሓተካ ዝነበሮ፡  “ይቕረ በለለይ” ክትብሎ ጉንብሕ ጥልዕ ምባል ከኣ “ዘበንያ ግርቢጥስ ማይ ንዓቐብ” ዘብል እዩ።

Last modified on Thursday, 25 August 2022 22:08