ሕቡራት ሃገራት ብጃምላ ዝተኣስሩ፡ ኤርትራውያን ክፍትሑ ጸዊዑ

2025-12-16 08:51:49 Written by  ቤት ጽሕፈት ዜና ሰዲህኤ Published in EPDP News Read 99 times

ስእሊ ካብ ማሕበራዊ መዲያ (ቢቢሲ)

ውድብ ሕቡራት ሃገራት፡ ብ15 ታሕሳስ 2025 ኣብ ዘውጸኦ መግለጺ፡ ኤርትራ ብዘይፍርዲ ዳጒናቶም ዘላ ኣስታት 10 ሺሕ ፖለቲከኛታት፡ ጋዜጠኛታት፡ ካህናትን መንእሰያትን ዝርከብዎም እሱራት፡ ብዘይቅድመ ኩነት ንክትፈትሕ ጸዊዑ። ኣብቲ መጸዋዕታኡ ኣብ ቀርኒ ኣፍሪቃ እትርከብ ሃገር ኤርትራ፡ ብ1993 ልኡላዊት ካብ እትኸውን  ክሳብ ሎሚ፡ ብወዲ 79 ዓመት ዲክታተር  እትጭቆን ዘላ እያ ክብል ገሊጽዋ።

ሰይፍ ማጋንጎ ዝተባህለ፡ ላዕለዋይ ወሃቢ ቃል ሰብኣዊ መሰል ብወገኑ፡ ብ4 ታሕሳስ 2025፡ 13  ነባር ተወዳዳሪ ብስክሊት ዘርኣጋብር ገብረህይወት ዝርከቦም ነጋዶን ሓለፍቲ ፖሊስን ብጃምላ ተኣሲሮም ብዘይፍርዲ ንኣስታት 18 ዓመታት ተዳጒኖም ዝጸንሑ ምፍተሖም ኣብ ግምት ዝኣቱ ምዃኑ ምጥቃሱ ኣብቲ መግለጺ ተሓቢሩ።

 ኣተሓሒዙ ከኣ ኣብ  ስልጣን ናብ ዘለዉ ኤርትራውያን ኣብ ዘመሓላለፎ መጸዋዕታ፡ ኩሎም ካብ 2001 ጀሚሮም ብጃምላ ተኣሲሮም ዝማስኑ ዘለዉ ናይ ቅድም ላዕለዎት ሓለፍቲ መንግስቲ ዝርከብዎም ግዳያት ብዘይወዓል ሕደር ክፍትሑ ይግባእ ምባሉ ብተወሳኺ ሓቢሩ።

ብኻልእ ወገን ከኣ ብሰንኪ ዝኽተልዎ ሃይማኖት 5 ዓመትን ካብኡ ንላዕልን ኣብ ማይስርዋን ካለኦት ኣብያተ ማእሰርትን ተዳጒኖም ዝጸንሑ፡ ብዝተፈላለዩ ጉጅለታት 20 ደቂ ኣንስትዮ ዝርከቦም ብድምር 98  ኤርትራውያን ብዋሕስ ከም ዝተፈትሑ፡ ቢቢሲ እትርከበን ዝተፈላለያ ማዕከናት ዜና፡ ኣብ ወጻእን ኣብ ኤርትራን ዝርከቡ ምንጭታተን ብምጥቃስ ሓቢረን።

እተኾነ እቲ መሰረታዊ መዋጸኦ፡ እሱራት ምፍታሕ ጥራይ ዘይኮነ፡ ነቲ ዘእሰሮም ዘይቅቡል ምኽንያት ካብ መሰረቱ ምውጋድ እዩ። ከምኡ እንተዘይኮይኑ ግና እቲ መስርሕ ናይ ዝእሰሩ ሰባት ምቅይያር እምበር ማእሰርቲ ዘቋርጽ ኣይኮነን።

Last modified on Tuesday, 16 December 2025 09:59