
“መድረኽ ስድተኛታት ኣብ ግብጺ / Refugees Platform in Egypt/” ዝተባህለ ትካል፡ ግብጻውያን ሓለፍቲ ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን 31 ኤርትራውያን ሓተቲ ዑቕባ ኣገዲድካ ናብ ኣስመራ ናይ ምጥራዝ ገበን ከም ዝፈጸሙ ብ22 መጋቢት 2022 ሓቢሩ። ሓንቲ ካብቶም ግዳያት ክትርእን ክትሰምዕን ዘይትኽእል ኣካለ-ጐደሎ ኣደ ምስ በዓል ቤታን ክልተ ደቃን ከም ዝርከብዎም እቲ ሓበሬታ ጠቒሱ። ምስዚ ብዝተተሓሕዘ እዛ ዘይትሰምዕን ዓይነስውርትን ኣደ፡ ኣብ ማእሰርቲ እንከላ ከም ዝወለደትን ውላዳ ኣብቲ ዝወለድትሉ ሆስፒታል ከም ዝሞተትን ተፈሊጡ። ብኻልእ ወገን ከኣ ካብቶም ግዳያት 5 ደቂ ኣንስትዮ፡ 6 ህጻናትን 2 ትሕቲ 17 ዓመት ዝዕድመአን ደቂ ኣንስትዮን ከም ዝርከበኦም ኣብቲ ጸብጻብ ተጠቒሱ።
እቲ ትካል ኣተሓሒዙ፡ ናይቶም ኣብ ኣብ መዳጐኒ ማእከል ግዝኣት ኣስዋን ዝነበሩ ግዳያት ኣብ ደቡብ ካይሮ ናብ ዝርከብ መበል 15 መደብር ሀልዋን ምምጻኦምን ናብ ኤርትራ ዝስጐጉሉ ኩነታት ንምድላው ምዃኑ ንዓኣቶምን ንቤተሰቦምን ከም ዝተሓበሮም ኣፍሊጡ።
እቲ ቀዳማይ ዙርያ ምጥራዝ ብ16 መጋቢት 2022 ከም ዝተፈጸመን ኣብዚ ዙርዚ ኣደታትን ህጻናትን ናይ ሓደ ቤተሰብ ዝርከብዎም 24 ኤርትራውያን ግዳይ ከም ዝኾኑ ተፈሊጡ። ብዛዕባዚ ጉዳይዚ ካብ እሙናት ዝተረኽበ ሓበሬታ ከም ዘረድኦ፡ እዞም 24 ሰባት ኣብ ኣስመራ ምስ በጽሑ ካብ መዓርፎ ነፈርቲ ናብ ዘይፍለጥ ቦታ ከም ዝተወስዱን ቤተሰቦም ብዛዕባ ሃለዋቶም ከምዘይፈልጡን ተረጋጊጹ።
እዞም ኤርትራውያን ብዘይሕጋዊ ኣገባብ ናብ ግብጺ ኣቲኹም ተባሂሎም ንዝተፈላለዩ ግዝያት ዝተኣስሩ ኮይኖም፡ ደሓር ካብቲ ዝተኣስርዎ ቦታ ናይ ጉዕዞ ሰነድ ክወስዱ ናብ ኤምባሲ ኤርትራ ኣብ ካይሮ ከም ዝተወስዱን እቲ ኤምባሲ ካብ ቤተሰቦም ንነፍሲ ወከፍ 30 ዶላር ከም ዝወሰደን ተፈሊጡ።
እቲ 2ይ ዙርያ ምጥራዝ ብ17 መጋቢት 2022 ከም ዝተፈጸመን ኣብዚ ዙርዚ ድማ 5 ደቂ ትበዕትዮን 2 ደቂ ኣንስትዮን ከም ዝተጠረዙ ተፈሊጡ። እቲ ሓበሬታ ዝሃበ ትካል መድረኽ ስደተኛታት ኣብ ግብጺ ብተመሳሳሊ ኣገባብ 53 ኤርትራውያን እሱራት ንተመሳስሊ ምድላው፡ ካብቲ ኣብ ግዝኣት ኣስዋን ዘሎ መዳጐኒ ማእከል ናብቲ ኣብ ደቡብ ካይሮ ዝርከብ መበል 15 መደበር ተወሲዶም ኣለዉ።
እዞም ግዳይ ምጥራዝ ዝኾኑ ዘለዉ ኤርትራውያን ናብ ግብጺ ብዘይሕጋዊ ኣገባብ ዝኣተዉ ወይ ኣብታ ሃገር ሕጋውነት ዘይብሎም ክነሶም ኣብኡ ዝጸንሑ ታባሂሎም ዝተኣስሩ፡ ብዛዕባ ጉዳዮም ከረድኡ ኩሉ ሕጋዊ መሰላት ዝተነፍጎም እዮም።
እቲ ብዛዕባዚ ተረኽቦ ጸብጻብ ዘቕርበ መድረኽ ስደተኛታት ኣብ ግብጺ፡ ነቲ ተግባር ብዝምልከት ኣብ ዝሃቦ ርኢቶ፡ ሓለፍቲ ግብጺ ንመሰል ስደተኛታት ዝምልከት ህጉራዊ ሕግታት ከም ዝጠሓሱ ኣብ ግምት ብምእታው ኮኒንዎ።
ኣብ ሃገር ግብጺ ሻርም ኢል-ሸኽ ይካየድ ኣብ ዘሎ መበል 17 ውድድር ሻምፒዮና ኣፍሪቃ ትሳተፍ ዘላ ጋንታ ኤርትራ ኣብቲ መኽፈቲ ብ23 መጋቢት 2022 ኣንጸባራቒ ዓወት ከም ዘመዝገበት መርበብ ሓበሬታ ኣፍሪቃ ቢዝነስ (Africa Business) ሓቢራ። ኣብዚ ብደረጃ ጋንታ ዝተኻየደ ናይ መጀመርያ መዓልቲ ግጥም ጋንታ ኤርትራ 4ተ ወርቂ መዳልያታት እያ ተዓዊታ።
ኣብቲ ሓያል ህልኽ ዝተራእየሉ ውድድር ኤርትራ ብሄኖክ ምሉጌታ፡ ዳዊት የማነ፡ ሚካኤል ጎይተኦምን ኣክሊሉ ገብረህይወትን እያ ወርቂ መዳልያታት ወሲዳ። ኣብዚ ውድድር ደድሕሪ ኤርትራ፡ ደቡብ ኣፍሪቃ 6 ክልኢት (ሰከንድ) ኣልጀርያን ድማ 10 ክልኢት (ሰከንድ) ድሒረን ብምእታው፡ ብቕደም ሰዓብ ብሩርን ነሃስን መዳልያታት ወሲደን።
ኣብ ጋንታ ደቂ ኣንስትዮ ድማ ኤርትራ ወርቂ መዳልያ ክትዕወት እንከላ ጋንታታት ማውርታንያን ሩዋንዳን ከኣ ብሩርንን ነሃስን መዳልያታት ከም ዝተዓወታ ተፈሊጡ። እቲ ውድድር ኣብ 24 መጋቢት 2022 ድማ ብደረጃ ውልቐ ተወዳደርቲ ከም ዝቕጽል ተፈሊጡ’ሎ።
ጋንታ ብስክሊት ኤርትራ ኣብ ዝሓለፈ ግዜ ኣብ ሩዋንዳ ተመዲቡ ካብ ዝነበረ ከባብያዊ ውድድር ብሰንኪ ክታበት ኮሮና ቫይረስ ዘይምውሳዳ ተሪፋ ከም ዝነበረት ዝዝከር እዩ።
ገለ ካብ ግዳያት
ኣብ ሱዳን ኣብ ልዕሊ ኤርትራውያን ስደተኛታት ብከባብያዊ ሓይልታት ጸጥታ ገፊፍካ ናይ ምእሳርን ንብረቶም ናይ ምርሳይን ወፈራ ከም ዝካየድ መርበብ ኤርትራ ሁብ (Eritrea Hub) ምጭታታ ካብቲ ቦታ ብምጥቃስ ብ22 መጋቢት 2022 ሓቢራ። ካብ ሱዳን ብቐጻሊ ዝርከብ ዘሎ ሓበሬታ ከም ዘረድኦ፡ ኣባላት ፖሊስን ወታደራትን ሱዳን ኣብ ጐዳናታት፡ ቦታ ስረሖምን መንበሪ ቦትኦምን ንዝረኸብዎም ኤርትራውያን ስደተኛታት ገፊፎም ናይ ምእሳር ወፈራ ቀጺለምዎ ኣለዉ።
እቲ ዜና ከም ዝሓበሮ ኣባላት ፖሊስ ሱዳን ናይቶም ኤርትራውያን መንበሪ ፈቓድ ርእዮም ግዜኡ ዝሐለፈ እንተኮይኑ ካብ 200 ሺሕ ክሳብ 400 ሺሕ ናይ ሱዳን ፓውንድ የኽፍልዎም። ነዚ ዝተጠቕሰ ዓቐን ገንዘብ ክኸፍሉ ዘይከኣሉ ከኣ ብቐጥታ ናብ ቤት ማእሰርቲ ይውሰድዎም ። ሓንሳብ ምስ ከፈልካ ካልእ ኣካል ተጠውዩ ከየኽፍለካ ውሕስነት የብሉን። እቲ ዝኽፈል ገንዘብ ናብ ናይ መንግስቲ ሱዳን ሳጹን ድዩ ዝኣቱ ወይ እቶም ኣብ ጐደናታት ዝርከብዎ ኣባላት ፖሊስ ንግሎም ይጥቀምሉ ከምዘይፍለጥ እቲ ዜና ሓቢሩ።
ኣብ ሰብኣዊ መሰል ዝግደሱ ወገናት ከም ዝብልዎ ኣባላት ፖሊስ ሱዳን ንኤርትራውያን ከም ሓደ ምንጪ ኣታዊ እዮም ዝጥቀምሎም። እዚ ዝኽፈል ዓቐን ነቶም ኣብ ዝተፈላለዩ ጸገማት ተዋሒጦም ዘለዉ ኤርትራውያን ካብ ዓቕሞም ንላዕሊ እዩ። እቲ ዜና ከም ዘዘኸኸሮ እቲ መንበሪ ፈቓድ ዘሕድስ ቤት ጽሕፈት ኢሚግረሽን ሱዳን ካብ ዝዕጾ ዝያዳ ዓመት ኮይኑዎ ኣሎ። ስለዚ ኤርትራውያን ናይ መንበሪ ፈቓዶም ግዜኡ ክሓልፍ እንከሎ ዘሕድስሉ መተካእታ የብሎም።
ጉዳይ ሰብኣዊ መሰል ኤርትራውያን ዘገድሶ ኣካል፡ ነዚ ብዝምልከት ናብ መንግስቲ ሱዳን መጸዋዕታ ኣቕሪቡ ኣሎ። ኣብቲ ዘቕረቦ መጸዋዕታ ድማ፡ 1ይ መንበሪ ፈቓድ ናይ ምሕዳስ ሓላፍነት ዘለዎ ቤት ጽሕፈት ኢሚግረሽን ብቕልጡፍ ክኽፈት፡ 2) ኩሎም ብሰንኪ መንበሪ ፈቓድ ተኣሲሮም ዘለዉ ኤርትራውያን ካብ ማእሰርቲ ተፈቲሖም ብህጽጹ ክሕደሰሎም። 3) ናይ ምሕዳስ ዕድል ኣብ ዘየብሉ ዝተኸፍለ ገንዘብ ክምለሰሎ ዝብሉ ምሕጽንታታት ይርከብዎ።
ሕቡራት ዓረብ ኢማራት 30 ቶን ዝምዘን ሓገዝ መግቢ ብቐጥታ ብነፋሪት ናብ ትግራይ ከም ዝለኣኸት ዜና ወሽመጥ (gulf news) ብ19 መጋቢት 2022 ሓቢራ። እዚ ሓገዝ መግቢ 5,600 ደቂ ኣንስትዮን ህጻናትን ንዝርከብዎም 7,000 ሰባት ከም ዝውሃብ እቲ ዜና ኣስፊሩ። እቲ ዜና ኣተሓሒዙ ከም ዝጠቐሶ ኣምበሳደር ኢማራት ኣብ ኢትዮጵያ፡ መሓመድ ሱሌማን ኣልራሽዲ “ኢማራት ኣብ ትግራይ ዘሎ ናይ መግቢ ጸገም ንምፍታሕ ሰብኣዊ ረዲአት ኣብ ምቕራብ ክትሕግዝ ድልውቲ እያ።” ከም ዝበሉ ኣስፊሩ።
እዚ ዜና ወሽመጥ፡ ኢማራት ኣብ ኣህጉራዊ መድረኽ እውን ረዲአት ንምቕራብ ድልውቲ ምዃና ሓቢሩ፡ ንጽጉማት ናይ ሓገዝ ኢዳ ብምዝርጋሕ ኣብ ቅድሚት ከምትስራዕ ጠቒሱ፡ ረዲአት ዝደሊ ህዝቢ ናብ ዘለወን ሃገራት፡ ብህጹጽ ካብ ምቕራብ ድሕር ከምዘይትብል ጸብጺቡ።
ኢማራት ደገፍ ንዘድልየን ሃገራት ምሕጋዝ ልዑል ግምት እትህብ፡ እዚ ከኣ ልዕሊ ኩሉ ብዘይኣፈላላይ ንህዝቢ ክብሪ ካብ ምሃብ ዝነቅል ምዃኑ እቲ ዜና ተቒሱ፡ ኣብ ዝሓለፈ ዓመት እውን ብመንገዲ ትካል መግቢ ዓለም 337 ቶን መግቢ ናብ መቐለ ከም ዝለኣኸት ኣዘኻኺሩ። እዚ ናይ ዝሓለፈ ዓመት ሓገዝ 63.000 ደቂ ኣንስትዮን ህጻናትን ዝርከብዎም 80, 000 ሰባት ንምሕጋዝ ተባሂሉ ዝተላእከ ምንባሩ ከኣ ተፈሊጡ። እቲ ናይ ዝሓለፈ ዓመት ሓገዝ 200 ቶን ዘይቲ ብልዕን 18.5 ቶን መድሃኒትን ይርከቦ ከም ዝነበረ እቲ ዜና ብተወሳኺ ሓቢሩ።
ሕቡራት ዓረብ ኢማራት፡ በቲ ሓደ ወገን ንፈደራላዊ መንግስቲ ኢትዮጵያ ዘመናዊ ድሮናት ኣዕጢቓ ኣብ ልዕሊ ህዝብን ንብረትን ትግራይ ዕንወት ንክወርድ ጠንቂ ክነሳ፡ ኣብ ከምዚ ዓይነት ሰብኣዊ ተግባራት ምስታፋ ንብዙሓት የዛርብ ኣሎ። እዚ ከምዚሉ እንከሎ፡ ናይ ኢማራት ምስ ህዝቢ ትግራይ ምድንጋጽ ንጉጅለ ህግደፍ ባህ ከምዘይብሎ ድማ ናይ ብዙሓት ግምት እዩ።
ኣብ ከተማ ኣስመራ ኣብዚ ቀረባ መዓልታት፡ 29 ሰዓብቲ ቤተ-ክርስትያን ወንገላውያን ከም ዝተኣስሩ ቢቢሲ (BBC) ናይ ኤርትራ ምንጭታታ ብምጥቃስ ሓቢራ። በቲ ሓበሬታ መሰረት እዞም ኣመንቲ ዝተኣስሩ ኣብ ብሕቲ ገዛኹም ጸሊኹም ብዝብል ክሲ ምዃኑ ተፈሊጡ።
እዞም 12 ደቂ ኣንስትዮ ዝርከበኦም 29 ግዳያት ኣብ ከባቢ ዓዲ ኣበይቶ ናብ ዝርከብን ዝለዓለ ግፍዕታት ዝፍጸመሉን ቤት ማእሰርቲ ማይሰርዋ ከም ዝተወስዱ እቲ ሓበሬታ ኣረጋጊጹ። ህግደፍ ካብ 2002 ዝጀመሮ ማእሰርቲ መራሕትን ሰዓብትን ወንገላውያን ክሳብ ሕጂ ከም ዘየቋረጾ እቶም ምንጭታት ጠቒሶም። ኣብ ኤርትራ ኣብ ዓመተ- 2021 ንዓመታት ኣብ ማእሰርቲ ዝነበሩ ኣመንቲ ወንጌላውያን ኣብያተ ክርስትያን ተፈቲሖም ዝብል ሓበሬታ ይዝርጋሕ ነይሩ እዩ። እንተኾነ እዚ ሓደሽ ማእሰርቲ እቲ ኣቐዲሙ ዝተጠቕሰ ምፍታሕ እሱራት ነቶም ዘጋጥሙ ዝነበሩ ተቓውሞ ንግዜኡ ንምህዳእ እምበር መሰረታዊ ከምዘይነበረ ዘርኢ እዩ።
ቤት-ምኽሪ ሰብኣዊ መሰላት ውድብ ሕቡራት ሃገራት፡ ቅድሚ ሰሙናት ኣብ ዘውጽኦ እዋናዊ ጸብጻብ፡ ኣተሓሕዛ ኩነታት ሰብኣዊ መሰላት ኤርትራ ምምሕያሽ ከምዘየርኣየ ምጥቃሱ ዝዝከር እዩ። ፍሉይ ተኸታታሊ ሕቡራት ሃገራት ኣብ ኩነታት ሰብኣዊ መሰላት ኤርትራ፡ ሱዳናዊ መሓመድ ዓብደልሰላም ባበክር፡ ኣብ ህልው ኩነታት ኤርትራ ኣመልኪቶም ኣብ ዘቕረብዎ ጸብጻብ፡ "ኣብ'ታ ሃገር ኣብ ጉዳይ ሰብኣዊ መሰላት ዝኾነ ምምሕያሽ ምህላዉ ዘርኢ ምልክት ኣይረኸብናን" ምባሎም ይፍለጥ። ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ ለካቲት 2022 ንዓመታት ኣብ ማሕዩር ዝነበሩ 3ይ ፓትሪያርክ ኦርቶዶክሳዊት ቤተክርስትያን ኤርትራ ኣቡነ ኣንጦንዮስ ከይተፈትሑ ኣብ መበል 94 ዓመቶም ምዕራፎም ካልእ ኣብ ኤርትራ ክሳብ ክንደይ መሰል እምነት ከምዘይክበር ዘመልክት እዩ።
ፕረሲደንት ትካል ዶብ ኣልቦ ሓካይም ናይ ስፓኛ ፓውላ ጊል፡ ብ17 መጋቢት 2022 ኣብ ዘውጽኤኦ መግለጺ፡ ኢትዮጵያ ነቶም ብ24 ሰነ 2021 ኣብ ትግራይ ዝተቐትሉ ኣባላቶም ብዝምልከት ናይ ዝገበረቶ ምጽራይ ውጽኢት ዝምልከት ዝርዝር ክትህቦም ከም ዝሓተታ ሮይተርስ ሓቢሩ።
ናይቶም ኣብ ትግራይ ዝተቐትሉ ሰራሕተኛታት ትካል ዶብ ኣልቦ ሓካይም፡ ስፐይናዊት ጓል 35 ዓመት ማሪያ ሄርናንደዝ፡ ተጋሩ ደቂ 31 ዓመት፡ ዮሃንስ ሓለፎም ረዳን ቴድሮስ ገብረማርያም ገብረሚካኤልን ሬሳ ብ24 ሰነ 2021 እዩ ደተርብዩ ተረኺቡ። ዝጥቀሙላ ዝነበሩ መኪና ከኣ ንጽባሒቱ 25 ሰነ 2021 ካብቲ ሬሳታት ዝወደቐሉ ቦታ 100-400 ሜትሮ ርሒቓ ከም ዝተረኽበት እዘን ፕርሲደት ትካል ዶብ ኣልቦ ሓካይም፡ ኣብ መግለጺኤን ሓቢረን።
እቲ መግለጺ ናይቲ ትካል ድሕሪ 6 ኣዋር ኣቀታትለኦም ንምፍላጥ፡ ኩሉ ዝከኣል ዘበለ ጻዕሪ ንክግበር ናብ ዝምልከቶም ኣካላት ጸዋዒት ኣቕሪቡ ከም ዝነበረ ጠቒሱ። ምስዚ ኣተሓሒዙ ከኣ ብዛዕባዚ ቅትለት ምስ ብዙሓት ናይ ኢትዮጵያ ፈደራላዊ ዲሞክራስያዊ ረፐብሊክ መንግስቲ (ኢፈዲ ሪመ) ሚኒስተራትን ናይ ህዝባዊ ወያነ ሓርነት ትግራይ ( ህወሓት) ኣካላትን ተራኺቦም ናይ ዝተገብረ መርመራ ውጽኢት ክወሃቦም ከም ዝሓተቱ እውን ጠቒሶም።
ኒውዮርክ ታይምስ ዝተባህለት ጋዜጣ ብወገና፡ ነዚ ብዝምልከት ኣብ ዘቕረበቶ ውጽኢት መርመራ ናይቲ ቅትለት ተሓታትነት ንኣባላት ሰራዊት ኢትዮጵያ ከም ዝምልከት ብ17 መጋቢት 2022 ኣመልኪታ። ምስዚ ብዝተጠሓሓዘ እቲ መግለጺ ከም ዝጠቐሶ እቲ ትካል ኣቀታትላ ሰራሕተኛታቱ ንምፍላጥ፡ ኣብ ከመይ ኩነታት ከም ዝተፈጸመን ብድሕሪቲ ተግባር መን ከም ዝነበረን ምሉእ ግንዛበ ንምርካብ ብዘይዕረፍቲ ክሰርሕ ከም ዝጸንሐ ኣመልኪቱ። እተን ፕረሲደንት ናይቲ ትካል ባዕላቶም ብዝገበርዎ ጻዕሪ ዝረኸብዎ ሓበሬታ ከም ዘሎን ነቲ ሓበሬታ ንመንግስቲ ኢትዮጵያ እውን ከም ዘካፈልዎ ጠቒሰን፡ እንተኾነ ዝያዳ ምርግጋጽን ምንጻርን ከም ዘድልዮም ድማ ኣስፊረን።
ፕረሲደንት ፓውላ ኣብቲ ዝገበረዎ ናይ ምጽራይ ጻዕሪ፡ ብምሉእ ዓቕሞም ምእንቲ ብዛዓብቲ ቅትለት ከጻርዩ ንሰራዊት ኢትዮጵያ ኮነ ንሓይልታት ትግራይ ከም ዘሳተፍዎም ሓቢርን። እቲ ዝረኸብዎ ሓባሬታ ነቲ ትካል ኮነ ንቤተሰብ እቶም ግዳያት ንከካፍሉ ከም ዝሓተትዎም እውን ገሊጸን። ምስዚ ኩሉ ግና ስለምንታይ እቲ ቅትለት ከም ዝተፈጸመ ዘዕግብ ሓበሬታ ኣይተረኽበ። ብዛዕባዚ ጉዳይዚ ብመንግስቲ ኢትዮጵያ ዝካየድ ቀጻሊ መርመራ ስለ ዘሎ፡ ውጽኢት ናይቲ ግዜ ዘይህብ ምጽራይ ክረኽባ ይጽበያ ምህላወን ኣብ መግለጺኤን ኣስፊረን ።
ኣብቲ ናይ 30 ዓመታት መሪር ብረታዊ ቃልሲ ህዝቢ ኤርትራ፡ ብግቡእ እንተዝስነድ ነፍሲ ወከፍ ዕለት ናይ ገዛእ ርእሳ ሕላገት ኣንቢራ እያ ሓሊፋ። 1961 ምጅማር ብረታዊ ቃልስን 1991 ምርግጋጽ ናጽነት ኤርትራን ከኣ ናይቲ ኣዝዩ ብዙሕ ዝርዝር ዝሓቖፈ ግን ከኣ ዘይተነግረሉ ነዊሕ መስርሕ ብረታዊ ቃልስና፡ ናይ መጀመርታን መወዳእታን ዕድለኛታት ጫፋት እየን። 15 መጋቢት 1964ን ተጐርባን ከኣ ኣብቲ መስርሕ ናይ ገዛእ ርእሰን ተዘክሮ ኣንቢረን ካብ ዝሓልፋ ዕለታትን ቦታታትን እየን። እነሆ ከኣ ንዝሓለፈ 58 ዓመታት ንዝክረን ኣለና።
ሓይልታት መግዛእቲ ኢትዮጵያ፡ ሰውራ ኤርትራ ንምብርዓን ብምስትነዓቕ ብሓይሊ ፖሊስ ዓባይ ጥራይ ክከላኸልዎ ዝገበርዎ ፈተነታት ውጽኢት ምስ ሰኣንሉ፡ ኣብዚ ዝተጠቕሰ ዕለትን ቦታን ፍሉይ ሓይሊ ጦርሰራዊት ካብ ሃይኮታ ኣውፊሮም ምስቲ ልዕልና ዕላማን፣ ትብዓትን ጽንዓትን እንተዘይኮይኑ፡ ኣዝዩ ውሑድ ቁጽርን ድሑር ኣጽዋርን ዝነበሮ ኣሃዱታት ተጋድሎ ሓርነት ኤርትራ ገጢሞም። ዕላመኦም ነቲ ናይ ሰውራ ቁልዒ ሓንሳብን ንሓዋሩን ንምጥፋእ ነይሩ። እንተኾነ ኩነታት ካብ ትጽቢቶም ወጻኢ ኮይኑ፡ ኣብዚ ናይ መጀመርያ ኣትኪልካ ፊትንፊት ግጥም 80-84 ኣባላት ጦርሰራዊት ተቐቲሎም፡ ብዙሓት ከኣ ተወጊኦም። ሓይልታት መግዛእቲ ኣብ ልዕሊ እቲ መጀመርያ ዘውፈርዎ ኣስታት 200 ሓይሊ ሰብ፡ ተወሳኺ ረዳኢ ሓይልኳ እንተለኣኹ ካብ ስዕረትን ክሳራን ክድሕኑ ግን ኣይከኣሉን። እቲ ብሓርበኛ መሓመድ ዓሊ ኢድሪስ (ኣቡ ርጃላ) ዝምራሕ ዝነበረ ሰራዊት ሓርነት ኤርትራ ኣብ ልዕሊ ጸላኢ እዚ ዝተጠቕሰ ጉድኣት ኣውሪዱን ኣሕፊሩን ነቲ ግጥም ናብ ሓድሽ ምዕራፍ ከሰጋግሮ እንከሎ፡ ብጥራዩ ዘይኮነስ ሰውራና እውን ክቡር ዋጋ ከፊሉ እዩ። በዚ መሰረት ኣብቲ ውግእ 18 ምዑታት ተጋደልቲ ብጀግንነት ክስዉኡ እንከለዉ 4 ከኣ ተወጊኦም።
ሓይልታት መግዛእቲ ኣደዳ ዘይተጸበይዎ ስዕረትን ክሳራን ኮይኖም ናብቲ ዝመጽዎ ሃይኮታ ምስተመልሱ ኣብቲ ጉዳይ ኢድ ንዘይነበሮም 8 ሲቪል ኤርትራውያን ቀቲሎም። ህዝቢ ንምርዓድን ምስ ሰውራኡ ከይተሓባበር ንምፍርራሕን ከኣ ናይቶም ስዉኣት ተጋደልትን ኣብ ከተማ ዝተቐትሉን ሬሳታት ኣብ ከተማታት ሃይኮታ፡ ኣቑርደት፡ ባረንቱን ከረንን ንነዊሕ ሰዓታት ሰጢሐሞ። ውጽኢቱ ግና ከምቲ ዝተጸበይዎ ራዕዲ ዘይኮነ ሕራነ ኮይኑ። (እዚ ኣሃዛት ክቡር ወልደየሱስ ዓማር ንዝኽሪ ኣቡ ርጃላን ብጾቱን ብ15 ለካቲት 2010 ብእንግሊዘኛ ካብ ዝጸሓፎ ዝተወስደ እዩ)
ውግእ ተጐርባ ከም ኣገዳሲ ታሪኻዊ ተዘክሮ፡ ፍሉይ ጅግንነት ዝተፈጸመሉን ካብቲ ካልእ ውግኣት ኣብ ልዕሊ ጸላኢ ዝለዓለ ክሳራታት ዘውረደን ጥራይ ኣይኮነን። ካብኡ ሓሊፉ ነቲ ግጥም ናብ ሓድሽ ናይ ፊትንፊት ቀዋሚ ግጥም ምዕራፍ ዘሰጋገረ ስለ ዝነበረ፡ ነቲ ኣብ ኤርትራ ካብ ምብራቕ ናብ ምዕራብ፡ ካብ ሰሜን ናብ ደቡብ ዝተፈጸመ ጅግንነት ኣፍደገ ዝኸፈተ ስለ ዝኾነ እዩ ዝዝከር። እዚ ውግእ እቲ ወሳኒ ስንቅን ኣጽዋርን ኣብ ሕልና ሰባት ዝሰፈረ፡ ጽንዓት፡ ቅሩብነትን ተወፋይነት ምዃኑ ዘርኣየ እዩ። ቅድሚ 58 ዓመታት እዚ ኣቐዲሙ ዝተጠቕሰ መስተንክር ዝሰርሑ ኤርትራውያን ሓርበኛታት ምስ ምንዋሕ ግዜ፡ ሎሚ ዳርጋ ብህይወት የለዉን ኢልካ ምድምዳም ይከኣል። እቲ ዝተበግስሉን ዋጋ ዝኸፈልሉን ፍትሒ ናይ ምርግጋጽ ቃልሲ ግና እቲ ሓደ ካብቲ ሓደ እንዳተቐባበልና ኣብዚ ሎሚ ዘለዎ ደረጃ በጺሑ ኣሎ። እቲ ኣብ ግዜኡ ነዚ ረዚን ሓላፍነት ዝርከብ ትውልዲ ከኣ መምስ መድረኹ ዝመጣጠን ካልእ ተጐርባ ናይ ምስራሕ ሓላፍነት ከም ዘለዎ ንኻልኢት’ኳ ክዝንግዕ ኣይግብኦን። ነዚ ንምዝኽኻር ኢና ከኣ ንተጐርባ ዓመት መጸት እንዝክራ።
ኣብ ተጐርባ ዓወት ዝተመዝገበሉ ግዜን ኩነታትን ብብዙሕ መልክዑ ካብዚ ሕጂ ዘለናዮ ዝተፈልየ እዩ። ናይ ሓይልታት ኣሰላልፋ፡ ናይቲ ቃልሲ እስትራተጅን ስልትን፡ ናይ መራኸቢ ምዕባለ፡ ናይ ጸላኢ ባህሪ፡ ጠቕላላ ዓለማዊ ኩነታት … ወዘተ ዝተፈልዩ እዮም። እዚ ክበሃል እንከሎ ግና ናይ ተመኩሮ ምውርራርስን ምትእስሳርን የብሎምን ማለት ኣይኮነን። ኣብ ግዜ ዓወት ተጐርባ ኮነ ሎሚ ሕቶ ህዝቢ ቅድሚት ምስራዕ ኣብ ቦታኡ እዩ። ሽዑ ኮነ ሎሚ ወሳኒ ግደ ተሳትፎ ህዝቢ ኣብ ቦታኡ እዩ። ንትማሊ፡ ሎምን ጽባሕን ናይ ምትእስሳር ግድነት’ውን ህያው እዩ። ከምዚ ናትና ዝኣመሰለ ነዊሕን ኣብ ምዕራፍት ዝተኸፋፈለን ቃልሲ ብሓደ ውሱን ትውልዲ ዝውዳእ ኣይኮነን። እንታይ ደኣ ካብ ወለዶ ናብ ወለዶ እዩ ዝሰጋገር። ናይዚ ምስግጋር ቀንዲ ሞተር ከኣ መንእሰይ እዩ። ስለዚ እዚ ንርከበሉ ዘለና እዋን ከም ወትሩ፡ ዝያዳ ኩሉ ክፍልታት ሕብረተሰብ ንመንእሰይ ትውልዳዊ ሓላፍነት ዘሰክሞ ምዃኑ በዚ ኣጋጣሚ ምዝኽኻሩ ኣገዳሲ እዩ። ሓላፍነት መንእሰይ ኩሉ ግዜ ዕዙዝ ኮይኑ፡ እቲ ሓላፍነት ግና ከከምቲ መድረኹ ከቢድን ቀሊልን ክኸውን ይኽእል። ናይ ሎሚ መንእሰይ ሓላፍነት ካብ ናይ ግዜ ተጐርባ መንእሰይ ሓላፍነት ዝተፈልየ ክኸውን ግድነት እዩ። ብመንጽር’ዚ፡ መንእሰይ ኤርትራ ብዝመረጾ ዘይኮነ፡ ሓራን ዲሞክራስያዊትን ኤርትራ ንምርግጋጽ እዚ ንርከበሉ ዘለና መድረኽ ዝጠልቦ ሓላፍነት እዩ ዝስከም። በዚ ኣጋጣሚ ከኣ ናይ ሎሚ መንእሰይ ነዚ ከቢቡና ዘሎ ኤርትራዊ ኮነ ከባብያዊ ሓላፍነት ተረኪቡ፡ ምስ ትማልን ጽባሕን ኣገናዚቡ፡ ክሳብ ሕጂ ንዝተመዝገበ ታሪኻዊ ጀግንነትን ሐበኝነትን መሰረት ገይሩ፡ ናይ ምቅላስን ምስግጋርን ንማንም ከሰክሞ ዘይክእልን ጽባሕ ካብ ሎሚ ዝሓሸ ከም ዝኸውን ናይ ምኽኣል ከቢድ ሓላፍነት ከም ዘለዎን ኣብ ርእሲ ግንዛበኡ ነዘኻኽሮ።
ጨናፍር ሰ.ዲ.ህ.ኤ. ሃገረ ሽወደን ንታሪኻዊት ኣህጉራዊት መዓልቲ ደቂ ኣንስትዮ ብምዉቅ ምስዮት ኣብዒሎምዋ
Saturday, 12 March 2022 15:35 Written by ሽማግለ ጨንፈርብዕለት 11መጋቢት 2022 ዓ.ም.ፈ. ክልቲኤን ጨናፍር ሰ.ዲ.ህ.ኤ. ሃገር ሽወደን ንክብሪ 8ተ መጋቢት መዓልቲ ደቂ ኣንስትዮ ንምዝካር ብኤሎትሮኒካዊ መራኸቢ ብዙሓን ዙም ተራኺቦም ምዉቅ ምስዮት ኣካይዶም። ኣኼባ ብክልቲኦም ኣቦ መንበራት ሓጺር ምሕዝነታዊ መግለጺ ድሕሪ ብምሃብ ፡ ንኣባል ፈጻሚት ሽማገለ ብጻይ መብግስተኣብ ኣስመሮም ዕድል ተዋሂቡ ኣዝዩ ኣገዳሲ ዝኾነ ታሪኻውን ባህላውን ግደ ጓል ኣንስተይቲ ኣብ ስሉስ ዓለምን ምዕራባውያንን ዘሎ ፍልልይ ጠቂሱ ብፍላይ ኣብ ሃገርና ዘሎ ብሰንኪ ጨቋኒ ስርዓት ህግደፍ ጉጉይ ምምሕዳርን ነታ እምነ መሰረትን መበቆል ሕብረሰብ ዝኾነት ኳዕናን ጓል ኣንስተይቲ ኤርትራ ዘውርዶ ዘሎ ኣዝዩ ኣሰካፊ ሃስያታት ጠቂሱ ንኣባላት ሰ.ዲ.ህ. ኤ. ዘወፍዮኦ ዘሎዋ ተባዕ ቃልሲ ኣመስጊኑ ንቀጻሊ ከኣ ኣብ ጎድነን ከም ዘሎ ቃል ኣትዩ። ቀጺሉ ብጸይቲ ኣልጋነሽ ያቆብ ብኣዝዩ መሳጢ ዝኾነ ኣገባብ ህልዊ መሪር ሃለዋት ኤርትራዊት ጓል ኣንስተይቲ ገሊጻ ፡ ብተወሳኺ ሓዲሽ ተረኽቦ ኣብ ስደት ዝጋጠም ዘሎ ምስ ባህልናን ታሪኽናን ዘይዛመድ ጨካን ቅትለታት ኣምሪራ ገሊጻ ብኸመይ ይፍታሕ እንታይ ክግበር ኣለዎ እውን ኣንፈት ብምሃብ ንተሳተፍቲ ክልተ ነጥበ መበገሲ ንክትዕ ብምቅራብ ንሰለስተ ሰዓታት ዝወሰደ መግለጺ ምሕዝነታዊ መልእኽትታትን ክትዕን ብምክያድ ሃነጽቲ ርእይቶታትን ለወባታትን ብምሃብ ኣኼባ ተዛዚሙ።
ኣብ ኢትዮጵያ መስራቲ ጉባአ ከየካየደ ተመሪጹ ክመርሕ ዝጸንሐ ሰልፊ ብልጽግና፡ ንሰለስተ መዓልታት ዝቕጽል ቀዳማይ ጉባአኡ ብ11 መጋቢት 2022 ጀሚሩ። ኣብዚ ጉባአ 1600 ናይ ምድማጽ መሰል ዘለዎም ዝርከብዎም 2000 ሰባት ይሳተፉ ከም ዘለዉ ናይቲ ጉባአ ኣሰናዳኢ ኣካል ሓቢሩ። ኣብዚ ብቐጥታ ብተለቪዥን ዝተመሓላለፈ መኽፈቲ፡ ቃል ዘስምዑ ናይቲ ሰልፊ ፕረሲደንት ዶ/ር ኣብይ ኣሕመድ ዓሊ፡ ሰልፎም ናብዚ ጉባአ ንምብጻሕ ዝሓለፎ ጉዕዞን ኣብ መጻኢ ናይ ሰልፎ ናይ ስራሕ ቋንቋታት ካብ ሓደ ንላዕሊ ከም ዝኸውንን ኣመላኺቶም። ብምሳልያዊ ኣዘራርባ ከኣ “ብልጽግና ካብ ማይ ምስ ዝወጽእ ዝመውት ዓሳ ዘይኮነ፡ ከም ኣባ ጓብየ ኣብ ማይ ሕጻን ዝነብር እዩ” ኢሎም። ኣባላት እዚ ሰልፊ ልዕሊ 11 ሚልዮን ስለ ዝኾኑ ካብ ኣፍሪቃ ዝዓበየ እዩ እውን ኢሎም። ኣብ መጻኢ ምስቶም ተፈኻኸርቲ ዝብልዎም ተቓወምቲ ሓቢሮም ከም ዝሰርሑ ድማ ቃል ኣትዮም። ንህልዊ ቅልውላውን ናይ ምብትታን ሓደጋን ኢትዮጵያ ዝምልከት ግና ዋላ ሓንቲ ኣይበሉን።
ኣብዚ ጉባአ ዝተሳተፉ ዕዱማት ኣብ ሃሃገሮም ይመርሑ ናይ ዘለዉ ሰልፍታት ተወከልቲ፡ ደቡብ ኣፍሪቃ፡ ቱርኪ፡ ዩጋንዳ፡ ጅቡትን ደቡብ ሱዳንን ናይ ምሕዝነት ቃል ኣስሚዖም። ተወካሊ ደቡብ ኣፍሪቃ ኣብ ዘስምዕዎ ቃል ናይ ኢትዮጵያን ከባቢኣን ፍሉጣት ባእታታት ክሰምዩ እንከለወ፡ ስም ሓምድ እድሪስ ዓዋተ ምጥቃሶምን ክውድኡ እንከለዉ “ዓወት ንሓፋሽ” ምባሎምን ቆላሕታ ዝሰሓበ ነይሩ። እዞም ቃል ምሕዝነት ዘቕረቡ ተወከልቲ ብዘይካ ንዶ/ር ኣብይን ብልጽግናን ምውዳስ ብቐጥታ ንህልዊ ቅልውላው ኢትዮጵያ ዝምልከት ዝበልዎ ኣይነበረን። ብኩራት ናይቲ ኣብ ኤርትራ ዝገዝእ ዘሎ ህግደፍ ኣብቲ ናይ ምሕዝነት መልእኽታት ከኣ ነብሱ ዝኸኣለ ኣዛራቢ ኮይኑ ኣሎ።
ብልጽግና ቅድሚ ሒደት መዓልታት ኣብ ዘካየዶ ናይ ተሳተፍቲ ጉባአ ኮንፈረንስ ንመጻኢ ዝምረሓሉ ፖለቲካዊ መደብ ዕዮን ቅዋምን ስለ ዘጽደቐ፡ እዚ ሰለስተ መዓልታት ዝጸንሕ ጉባአ ስነስርዓታዊ ጥራይ ምዃኑ ዝተፈላለዩ ወገናት ገሊጾም። በቲ ዘጽደቖ ሰነዳት መሰረት ብልጽግና ኣብ መጻኢ ኣብ ህንጸት ሃገረ-መንግስቲ፡ ቁጠባዊ ዕቤትን ጸጥታዊ ምርግጋእን ከተኩር እዩ። ኣም በጻኢ ናይ መንግስቲ ናይ ስራሕ ቋንቋታት፡ ኣምሓርኛ፡ ኦሮሞኛ፡ ዓፋር፡ ትግርኛን ሶማለኛን ክኾኑ እዮም ዝብል ትጽቢት ክህሉ እንከሎ፡ ኣዲስ ኣበባ ከኣ “ኣዲስ ኣበባ-ፊኒፊነ” ተባሂላ ክትስየም ትጽቢት ኣሎ። ብዙሓት ኣብ ላዕለዋይ ጽፍሒ ዝጸንሑ ሓለፍቲ ከም ዝወርዱ ድማ ምልክታት ኣሎ።
ብዙሓት ኢትዮጵያውያን እዚ ጉባአ ንኢትዮጵያ ካብዚ ዘላቶ ቅልውላው ዘውጽኣ ለውጢ ከምዘየምጽእ ብማሕበራዊ መዲያ ርኢቶኦም የገልጹ ኣለዉ።
ኣብ ዝሓለፈ 4ተ ዓመታት ኣብ ኢትዮጵያ ኣምንበሳድር ኤርትራ ኮይኑ ዝጸንሐ ሰመረ ርእሶም ብ10 መጋቢት 2022 ካብ ኢትዮጵያ ከም ዝተሰናበተ ፋና ዝተባህለት መንግስታዊ ተለቪዥን ኢትዮጵያ ሓቢራ። ናይ ኢትዮጵያ ፕረሲደንት ወይዘሮ ሳህለ ወርቅ ዘውደ ኣብቲ ምፍናው ሰመረ ንምሕያል ዝምድና ኤርትራን ኢትዮጵያን ክሰርሕ ስለ ዝጸንሐ ኣመስጊነንኦ። ብዛዕባ ንሰመረ ርእሶም ዝትከኦ ሰብ ምምዛዝን ዘይምምዛዝን እቲ ዜና ዝበሎ የለን።ሚኒስተር ወጻኢ ጉዳይ ኢትዮጵያ ብወገኑ ምስዚ ብዝተተሓሓዘ ኤርትራውያን ኣብ ወጻኢ ኢትዮጵያውያን ደገፍቲ ብልጽግና ኣብ ዘሰናድእዎ ሰላማዊ ሰልፍታት ይሳተፉ ስለ ዘለዉ ምስግናኡ ኣቕሪቡ።
እዚ ከምዚሉ እንከሎ ኢትዮ-ፎረም ዝተባህለ ዘይመንግስታዊ ሚድያ፡ ቀንዲ ስራሕ ኣምንበሳደር ሰመረ ኣብ ኢትዮጵያ ንመንግስቲ ህግደፍ ዝቃወሙ ኤርትራውያን ምእሳርን ምስዋርን ከም ዝነበረ ኣቃሊዑ። ኢትዮ-ፎረም ኣተሓሒዙ ክም ዝገለጾ፡ ኢትዮጵያ ድሕሪ ኣቶ ሬርድዋን ሑሴን ናብ ሃገሮም ምስተመልሱ ኣብ ኤርትራ ኣንበሳደር የብላን።ዝምድና ኤርትራን ኢትዮጵያን ኣብዚ እዋንዚ ካብቲ ኣብ 2018 ክሕደስ እንከሎ ዝነበሮ ደረጃ የንቆልቁል ከም ዘሎ ናይ ብዙሓት ትዕዝብቲ እዩ።
ሰመረ ርእሶም ኣብ ኢትዮጵያ ኣብ ዝጸንሓሉ፡ ኣብ ናይ 2019 ኣከባብራ በዓል ጥምቀት ኣብ ከተማ ጎንደር ተዓዲሙ፡ ኣብቲ ስነ-ስርዓት ኣብ ዝቐረበ ምርኢት ካርኒቫል ንኤርትራ ከም ኣካል ኢትዮጵያ ዘገልጽ ኣዝዩ ዓብይ ካርታ ኢትዮጵያ ርእዩ ብዘይምቅዋሙ ኣዛራቢ ኮይኑ ከም ዝጸንሐ ዝዝከር እዩ።