ኢትዮጵያ ኣብ 2023 ሰብኣዊ ቅልውላው ካብ ዘጋጥመን ሃገራት 2ይቲ ተሰሪዓ

2022-12-16 20:59:17 Written by  ቤት ጽሕፈት ዜና ሰዲህኤ Published in EPDP News Read 642 times

ኮሚተ ዓለም ለኻዊ ቅልውላው (IRC) ዝተባህለ ትካል ብ15 ታሕሳስ 2022 ኣብ ዘውጸኦ መግለጺ ኣብ ዓመተ- 2023 ሰብኣዊ ቅልውላው ከጋጥመን’ዩ ኢሉ ካብ ዘስፈረን 20 ሃገራት፡  ኢትዮጵያ  ንሶማሊያ ተኸቲላ ኣብ 2ይ ደረጃ ከም ዝተሰርዐትን ኣፍጋኒዝታን ከኣ 3ይቲ ኮይና ከም ዘላን ሓቢሩ።

እዚ በብዓመቱ ናይ ሰብኣዊ ቅልውላው ከጋጥመን  ዝኽእል ሃገራት ዝርዝር ዘውጽእ ኮሚተ፡ ኣብ 2023 ዝያዳ ዘስገኣ ዝበለን ቀዳሞት ዓሰርተ ሃገራት፡ ሶማሊያ፡ ኢትዮጵያ፡ ኣፍጋኒስታን፡ ዲሞክራቲክ ረፐብሊክ ኮንጎ፡ የመን፡ ሶርያ፡ ደቡብ ሱዳን፡ ብርኪናፋሶ፡ ሀይቲን ዩክረይንን  እየን።

ኣብ ምብራቕ ኣፍሪቃ ኣጋጢሙ ዘሎ ብርቱዕ ድርቅን ብዝተፈላለዩ ምኽንያታት ዝፍጠር ቁጠባዊ ውድቀትን ናይቲ ሰብኣዊ ቅልውላው ጠንቂ ምዃኖም ዝጠቐሰ እቲ ጸብጻብ፡ ኣብ መላእ ዓለም ካብ ሓደ ቢልዮን ህዝቢ እቲ ሓደ ሲሶ፡ ንሰብኣዊ ቅልውላው ዝተቓለዐ፡ ዝያዳ ካብ ምቁጽጻር ወጻኢ ከይከውን ዝሕግዙ፡ ዲፕሎማስያዊ ስምምዓት፡ ናይ ውግእ ሕግታትን መስርሕ ቀረብ ሰብኣዊ ረዲአት ምድኻምን ካብቶም ጠንቅታት ናይቲ ቅልውላው ኮይኖም ተጠቒሶም።

ሓላፊ ኮሚተ ዓለም ለኻዊ ቅልውላው፡ ደቪድ ሚሊባንድ፡ ኣብ ዝሓለፈ ዓመት ነቲ ቅልውላው ንምክልኻል ጻዕሪ ከም ዝተኻየደ ተቒሶም፡ እንተኾነ ብሰንኪ፡ ሕጽረት ዲፕሎማስያዊ መፍትሕን ዋሕዲ ናይ ረዲአት ኣቕርቦትን ከምዘይተዓወተ ሓቢሮም። እቶም ሓላፊ፡ ሃገራዊ፡ ዞባውን ዓለም ለኻውን ሰብኣዊ ሓለዋታት ብሰንኪ ውግእ፡ ምቅይያር ኩነታት ኣየርን ምጣነ-ሃብታዊ ምንቁልቋልን ነቲ ሓደጋ ምክልኻል ከምዘይተኻእለ ብተወሳኺ ጠቒሶም።

እዘን ኣብ ሓደጋ ሰብኣዊ ቅልውላው ወዲቐን ዘለዋ ሃገራት፡ መብዛሕትአን ኣብ ዝሓለፉ ዓሰርተ ዓመታት ወተሃደራዊ ጐንጽታት ዘጋጠመን ክኾና እንከለዋ፡ ኣብ ምብራቕ ኣፍሪቃ ዘጋጠመ ደርቅን ሩሲያ ኣብ ልዕሊ ኣብ ከባቢኣ ዘሎ ምንቅስቓስ ባሕሪ ዝወሰነቶ ዕጽዋን ተጽዕኖ ከም ኣፈጠሩ ኣብቲ መግለጺ ተጠቒሱ። እቲ ጸብጻብ ካብዚ ሓደጋ ንምውጻእ ኣብ መዳያት ቁጠባ፡ ድሕንነትን ናይ ኣየር ለውጥን ሓያል ምርብራብ ምግባር ከም ዘድሊ ኣስፊሩ። ምስዚ ብዝተተሓሕዘ ኣብ 2030 ረዲአት ናይ ዝጽበ ህዝቢ ብዝሒ 340 ሚልዮን ከም ዝበጽሕ ብምጥቃስ፡ ኣብዘን ሰብኣዊ ቅልውላው ከጋጥመንዩ ዝበሃላ ዘለዋ ሃገራት ካብ ህዝቢ ዓለም እቲ 13% ኣብኣተን ከም ዝነብር እውን፡ ኮሜት ዓለም ለኻዊ ቅልውላው ኣፍሊጡ።

Last modified on Friday, 16 December 2022 22:13