ማእከላይ ባይቶ ሰዲህኤ፡ ፍሉይ ኣኼባ ኣካይዱ

2022-12-11 10:58:44 Written by  ቤት ጽሕፈት ዜና ሰዲህኤ Published in EPDP News Read 668 times

ማእከላይ ባይቶ ሰልፊ ዲሞክራሲ ህዝቢ ኤርትራ (ሰዲህኤ)፡ ብ10 ታሕሳስ 2022 ፍሉይ ኣኼባ ኣካይዱ። ናይዚ ፍሉይ ኣኼባ ኣጀንዳ ኣብ መንጎ ፈደራላዊ መንግስቲ ኢትዮጵያን ክልል ትግራይን ኣብ ደቡብ ኣፍሪቃን ኬንያን ዝተኸተመ ውዕል ሰላምን ኣብ ቃልሲ ህዝቢ ኤርትራ ዝህልዎ ጽልዋን ምምዛን ዝምልከት ነይሩ።

ኣቦመንበር ማእከላይ ባይቶን ፈጻሚ ሽማግለን ሰዲህኤ ብጻይ ተስፋይ ወልደሚካኤል (ደጊጋ)፡ እቲ ስምምዕ ምስተኣወጀ ፈጻሚ ሽማግለ ከም ዝመዘኖ ጠቒሱ፡ ንትሕዝቶ እቲ ፈጻሚ ሽማግለ ኣቐዲሙ  ኣብቲ ስምምዕ ዘንበሮ ሚዛንን ዝምልከት ከኣ ሰፊሕ መበገሲ ኣቕሪቡ። ኣብ መብርሂኡ፡ እቲ ውዕል ሰላም ዋላ’ኳ ኣብቲ መጀመርያ ብገለ ወገናት ተቓውሞ ኣጋጢምዎ እንተነበረ፡ ደሓር ግና ብህዝቢ ትግራይ ኮነ ብሕብረተሰብ ዓለም  ተቐባልነት ረኺቡ ኣብ መስርሕ ትግባረ ከም ዝርከብ ጠቒሱ።

ሰዲህኤ ካብ መጀመርታ፡ እቲ ውግእ ምስተባርዐ፡ መፍትሒኡ ዘተን ሰላምን ምዃኑን ሰራዊት ኤርትራ ካብ ትግራይ፡ ሰራዊት ኢትዮጵያ ድማ ካብ ኤርትራ  ንክወጹን ብደረጃ ማእከላይ ባይቶ ብኣዋጅ ገሊጽዎ  ከም ዝነበረ ብምጥቃስ፡ ነቲ ዝተበጽሐ ናይ ሰላም ውዕል ከም ዝደገፎ ፈጻሚ ሽማግለ ምንጻሩ ጠቒሱ። በዚ መሰረት ሚዛን ሰዲህኤ ካብ ቅድም ብዛዕባ ኣፈታትሓ ናይቲ ጸገም ኮነ ዘይተደላዪ ኢድ ምትእትታው  ርትዓዊ ምንባሩ ኣነጺሩ። ኣብ ደንበ ተቓውሞ ኤርትራ’ውን እቲ ስምምዕ ተቐባልነት ከም ዝረኸበን ፖለቲካዊ ሓይልታት ኤርትራ ናይ ሓባር ናይ ደገፍ መግለጺ ከም ዘውጸአን ኣገንዚቡ።

እቲ ስምምዕ ብትሕዝቶኡ ህግደፍ ካብ ትግራይ ክወጽእ ዘገድድ ምዃኑ ጠቒሱ። እንተኾነ ህግደፍ ካብቲ መስርሕ ተነጺለ ብዝብል እንጽርጽሮትን ናብቲ ውግእ ክኣቱ እንከሎ፡ ዝነበሮ ዕላማ ሰለ ዘየዕወተን በቲ ስምምዕ ኣብ ክንዲ ዝምእዘዝ፡ ካልእ ኣብ ውግእ ከቐጽሎ ዝኽእል ኲነታት ካብ ምምሃዝ’ኳ ዘይዓርፍ እንተኾነ፡  ውዒሉ ሓዲሩ ግና ክወጽእ ከም ዝግደድ ገሊጹ።

ባይቶ ኣብቲ ምይይጡ፡ ስምምዕ ደቡብ ኣፍሪቃ፡ ካብ ዘስፈሮም ነጥብታት ሓደ ምዕቃብ ሓድነትን ልኡላውነትን ኢትዮጵያ ምዃኑ ተገንዚቡ። ምስዚ ብዝተተሓሕዘ ማእከላይ ባይቶ ሰዲህኤ ባይቶ፡  እቲ ቅኑዕን ነባሪ ሰላም ዘውሕስን ልኡላውነት ኤርትራ ዝረጋገጸሉ መንገዲ እቲ ህግደፍ ከም መመሳመሲ ዝጥቀመሉ  ናይ ሓይሊ ምርጫ ከም ዘይኮነ ተገንዚቡ። ስለዚ እቲ ቅኑዕ ልኡላውነት ኤርትራ ዘውሕስ ኣገባብ፡ ጐኒ ንጐኒ እቲ ህግደፍ ንምውጋድ ዝግበር ቃልሲ፡ እቲ ቀያድን ናይ መወዳእታን ብይን ኮሚሽን ዶብ ኤርትራን ኢትዮጵያን ኣብ ግብሪ ምውዓል ምዃኑ ብምግንዛብ፡ ከም መቐጸልታ ናይቲ  ኣብ ጉባአ ሰዲህኤ ዝተወሰነ፡ ናይ ዶብ ብይን ኣብ ግብሪ ንኽውዕል ናብ ኩሎም ዝምልከቶም ጸዋዒቱ ኣሕዲሱ።

ኣብ መወዳእታ፡ ኣባላት ባይቶ፡ ነቲ ኢትዮጵያውያን በጺሐምዎ ዘለዉ ናይ ሰላም ውዕል  ብምድጋፍ፡ ኣብ ዝተፈላለዩ ጉዳያት ሃነጽትን ሰዲህኤ ኣብ መጻኢ ከተኩረሎም ዝግበኦ ሰልፋውን ግዳማውን ዛዕባታት ኣንጸባሪቖም።  

Last modified on Sunday, 11 December 2022 13:25