ኣሜሪካ፡ ንኤርትራን ሶማሊላንድን ምስ ኣፍሪቃ ኣብ ዝግበር ርክብ ከምዘይዓደመተን ኣፍሊጣ

2022-12-09 09:24:42 Written by  ቤት ጽሕፈት ዜና ሰዲህኤ Published in EPDP News Read 660 times

ላዕለዎት ሓለፍቲ ሕቡራት መንግስታት ኣሜሪካ፡ መራሕቲ ኣፍሪቃ ምስ ፕረሲደንት ጆ ባይደን ንምርኻብ ይዳለውሉ ኣብ ዘለዉ ግዜ፡ ኤርትራን ሶማሊላንድን ከም ዘይተዓደማ ብ7 ታሕሳስ 2022 ብዝሃብዎ መግለጺ ኣፍሊጦም። እቲ ካብ 13 ክሳብ 15 ታሕሳስ 2022 ኣብ መንጎ ኣሜሪካን መራሕቲ ሃገራት ኣፍሪቃን ዝግበር ካላኣይ ርክብ፡ ዝምድና ኣሜሪካን ኣፍሪቃን ንምድልዳል ዝዓለመ ምዃኑ ተፈሊጡ።

እቶም ብዛዕባዚ ጉዳይ ንመራኸቢ ብዙሃን መግለጺ ዝሃቡ ሓለፍቲ ኣሜሪካ፡ ኤርትራን ሶማሊላንድን ዘይተዓደምሉ ምኽንያት፡ ብሰንኪ ሕማቕ ዲፕሎማሲያዊ ዝምድና ምዃኑን ብፍላይ ንሶማሊላድንድ ዝምልከት ከኣ ከም ልኡላዊት ሃገር ኣፍልጦ ካብዘይምሃብ ዝነቅል ምዃኑ ጠቒሶም። ጁዲ ደቨርሞንት ዝተባህላ፡ ኣብ ላዕለዋይ ጸጥታዊ ኮሚቲ ኣሜሪካ ዳይረክተር ኣፍሪቃዊ ጉዳያት፡ ብድምጺ ኣሜሪካ ተሓቲተን  ኣብ ዝሃበኦ ምላሽ፡ ብዝከኣል መጠን ምስ ሕብረት ኣፍሪቃ ብቐጸሊ ክቀራረቡን ምሉእነት ክሕልዉን ከም ዝሰርሑ ኣፍሊጠን።

ዳና ባንክስ ዝተባህላ፡ ፍልይቲ ተሓጋጋዚትን ላዕለወይቲ ኣማኻሪትን ናይቲ ርክብ ኣሜሪካ -ኣፍሪቃ ብወገነን ኣብ ዝገለጽኦ፡ እቲ ዕድመ ምስ ሕብረት ኣፍሪቃ ቀጻሊ ጽቡቕ ዝምድና ናብ ዘለወን ሃገራት ዘተኮረ ምዃኑ ብምጥቃስ፡ ኣብዚ እዋንዚ 4ተ ሃገራት በቲ ሕብረት ኣባልነተን ዝተወንዚፈ ኣለዋ ኢለን። ክልተ ሃገራት ከኣ ሓንቲ ብሕማቕ ዲፕሎማሲያዊ ዝምድና (ኤርትራ) ሓንቲ ድማ ከም ሃገር ኣፍልጦ ብዘይምርካብ (ሶማሊላንድ) እየን።  በዚ መሰረት እዘን 6ተ ሃገራት ኣይተዓደማን። ማሊ፡ ሱዳን፡ ጊኒን ብርኪናፋሶን ካብቲ 54 ኣባላት ዝሓቖፈ ሕብረት ኣፍሪቃ ተወንዚፈን ዘለዋ ሃገራት እየን።

ኣብ ወጻኢ ጉዳይ ኣሜሪካ፡ ሓላፊት ኣፍሪቃዊ ጉዳያት ሞሊ ፊ፡ ብወገነን ከም ዝሓበረኦ፡ ምስዘን ናብቲ ርክብ ዘይተዓደማ ሃገራት ናብ ዲሞክራሲያዊ ምምሕዳር ብዛዕባ ዝምለሳሉን ምስ ኣሚሪካ ጥዑይ ዝምድና ዝምስርታሉን ኩነታት ንምፍጣር ብፍሉይ ከም ዝስራሕ ኣፍሊጠን።

ወጻኢ ጉዳይ ኣሜሪካ ብዓብይኡ፡ ንኤርትራ ብዝምልከት ከም ዝገለጾ፡ ምስ መንግስቲ ኤርትራ ክልተኣዊ ምትሕግጋዝ የለን። እንተኾነ ኣሜሪካ፡ ምስ ህዝቢ ኤርትራ ብመንገዲ  ባህላዊ ምልውዋጥን ካልእ መዳያትን ቀጻሊ ዝምድና ከም እትሃንጽ ኣፍሊጡ።

Last modified on Friday, 09 December 2022 10:40