
ፖሓኤን ምዓለይን፡ ዝኽሪ መበል 31 ዓመት ናጽነት ኤርትራ ብሓባር ጸንቢሎም
Sunday, 22 May 2022 00:05 Written by ሓይሊ ዕማም መዲያ ፖሓኤፖለቲካዊ ሓይልታት ኤርትራ (ፖሓኤ)ን ምንቅስቓስ ዓለምለኸ ይኣክል (ምዓለይ)ን ብ21 ጉንበት 2022 መበል 31 ዓመት ዝኽሪ መዓልቲ ናጽነት ኤርትራ ብሓባር ጸንቢሎም። ኣብዚ ኣባላት ክልቲኡ ኣካላትን ካለኦት ግዱሳት ኤርትራውያንን ዝተሳተፍዎ ጽንብል ነቲ መደብ ካብ ዝሰርዑ ኣካላት ሓው ተኽለሰንበት ተኽላይ ብትግርኛ ሓው እድሪስ ሁመድ ድማ ብዓረብኛ ናይቲ ጽንብል መደባት ብምሕባር መእተዊ ቃል ኣስሚዖም።
ኣብዚ ጽንብል ኣቶ ተስፋሚካኤል ዮሃንስ ኣተሓባባሪ ፖለቲካዊ ሓይልታት ኤርትራን ኣቶ ሰገድ ሓጐስ ኣቦመንበር ምንቅስቓስ ዓለም ለኸ ይኣክልን ንመዓልቲ ናጽነት ኤርትራ ብዝምልከት ብትግርኛ ቃል ኣስሚዖም። ኣቶ ነጋሽ ዑስማን ኣቦመንበር ፈጻሚ ኣካል ኤርትራዊ ሃገራዊ ባይቶ ንዲሞክራስያዊ ለውጢ ድማ ንቃል ፖሓኤ ብዓረብኛ ኣቕሪቡ። እዞም ሓጺር መደረ ዘቕረቡ ሓለፍቲ ነቲ መድረኽ ንዝወደቡ ድሕሪ ምምስጋን፡ መዓልቲ ናጽነት ኤርትራ ውጽኢት ናይ 30 ዓመታት መሪር ቃልሲ ዝተኻየደሉን ክቡር ዋጋ ዝተኸፍለሉን ቃልሲ ስለ ዝኾነት ዓብይ ክብሪ ዝግበኣ ምዃና ገሊጾም። ህዝቢ ኤርትራ ብመንጽርቲ ንናጽነት ዝኸፈሎ ክቡር ዋጋ ድሕሪ ናጽነት ብሰንክቲ ግጉይ መንገዲ ዝመረጸ ጉጅለ ህግደፍ፡ ሓርነቱ ተረጋጊጹ ኩሉ መሰላቱ ክኽበረሉ ዝነበሮ ትጽቢት ክረጋገጸሉ ከምዘይከኣለ ኣስፊሖም ገሊጾም።
እቲ ጸገምን ወጽዓን ሕጂ እውን ካብ እንግደዓ እቲ ምእንቲ ናጽነት ኩሉ ዋጋ ዝኸፈለ ህዝቢ ኤርትራ ስለ ዘይወረደ፡ ንምንጋፉ ኩሎም ጉዳይ ህዝብን ሃገርን ዘገድሶም ኤርትራዊ ወገናት ብሓባር ክቃለሱ ኣብዚ ታሪኻዊ ኣጋጣሚ ቃል ክኣትዉ ከም ዝግበኦም እውን ጸዊዖም።
ብፍላይ ኣብዚ ዝሓለፈ ቀረባ ዓመታት ጉጅለ ህግደፍ ኣብ ውግእ ትግራይ ብሰንኪ ምእታዉ ብዙሓት ኤርትራውያንን ተጋሩን መንእሰያት ኣብ ርእሲ ምጥፋኦም፡ ኣብ መንጎ ክልቲኡ ህዝብታት ቅርሕንቲ ከም ዝተፈጥረን ነዚ ናብ ንቡር ንምምላሱ ቃልሲ ከም ዝሓትትን ገሊጾም። ምስዚ ብምትሓሕዝ ከኣ ነዛ ኣገዳሲት መዓልቲ ብሓባር ምዝካር ሓደ ስጉምቲ ንቕድሚት ኮይኑ፡ ብሓባር ናብ ዘቃልስ መድረኽ ምምዕባሉ ኣገዳሲ ምዃኑ ጠቒሰም።
ናይቲ ጽንብል ተሳተፍቲ ኣብ ዝሃብዎ ርኢቶታት ድማ ንኽብሪ መዓልቲ ናጽነትን ኣብኣ ንምብጻሕ ዝተኸፍለ ዋጋን ጠቒሶም፡ ክልቲኡ ኣካላት ብሓባር ምጽንባሉ ኣብ መጻኢ ብሓባር ንምቅላስ ሓጋዚ ስለ ዝኾነ ንክድፈኣሉ ከም ዝግባእ ተላብዮም። እቲ መደብ ብዘይካቲ መደረታት ብሃገራዊ ደርፍታን መሳጢ ግጥምታት እውን ዝተስነየ ነይሩ። ኣብቲ ጽንብል ዝተፈላለያ ኤርትራውያን ናይ ዜና ማዕከናት ተረኺበን ነቲ በዓል ዝግባእ ሸፈነ ሂበንኦ ምምሳየን ይፍለጥ።
ወጻኢ ጉዳይ ሚኒስተር ሕቡራት መንግስታት ኣሜሪካ፡ ኣንቶኒዮ ብሊንከን ብ18 ጉንበት 2022 ምስ 10 ወጻኢ ጉዳይ ሚኒስተራት ኣፍሪቃ ርክብ ከም ዘካየዱ ናይቲ ሚኒስትሪ ወሃብ ቃል ሓቢሩ። እዚ ርክብ ዝተኻየደ ካብቲ ኣብ ከተማ ኒውዮርክ ዝካየድ፡ እዞም ሚኒስተራት ኣፍሪቃ ዝሳተፍዎን ብዛዕባ ውሕስነት መግቢ ንኣፍሪቃ ዝዝትን ኣህጉራዊ ኣኼባ ኣቐዲሙ እዩ።
እቶም ሚኒስተራት ኣብቲ ርክቦም፡ ከቢድ ብደሆ ውሕስነት መግቢ ኣብ ኣፍሪቃን ግደ ኣሜሪካ ኣብ ምርካብ መፍትሕን ወሲኽካ፡ ብዛዕባ ዝተፈላለዩ ነጥብታት ከም ዝተመያየጡ እቲ መግለጺ ሓቢሩ። ከምኡ እውን ኣብቲ ርክብ ናይ ሓባር ትካላት ኣብ ምፍታሕ እቲ ናይ መግቢ ውሕስነት ጸገም ብሓባር ክሰርሓሉ ብዛዕባ ዝኽእላ ኣገባብ ተጠቒሱ።
ጸሓፊ ብሊንከን ኣብቲ ርክብ ዝያዳ ቆላሕታ ብምሃብ፡ ኣሜሪካ ኣብ ኣፍሪቃ ብዛዕባ ዘሎ ናይ ውሕስነት መግቢ ጸገም ኣብ ኣፍሪቃ ንምፍታሕ ሓቢራ ክትሰርሕ ምዃና ኣስሚረምሉ። ናይ ኣፍሪቃ ጸገም ውሕስነት መግቢ ብሰንኪ ምልውዋጥ ኩነታት ኣየርን ለበዳ ኮረና ቫይረስን ከም ዝተጋደደ ጠቒሶም። ከምኡ እውን ሩሲያ ኣብ ዩክረይን ዝፈጸመቶ ወራር ውሕስነት መግቢ ኣብ ዘይምርግጋጽ ናይ ገዛእ ርእሱ ተጽዕኖ ከም ዝፈጠረ ኣመልኪቶም። እቶም ተሳተፍቲ ብወገኖም ብዘቕረብዎ ብዛዕባ ኣብ ሃገራቶም ናይ መግቢ ውሕስነት ንምርግጋጽ ዝካየድ ዘሎ ስረሓት ተመያይጦም።
ድምጺ ኣሚሪካ ብወገና ነዚ ብዝምልከት ኣብ ዘውጸኣቶ ዜና፡ እቶም ኣብቲ ርክብ ዝተሳተፉ 10 ወጻኢ ጉዳይ ሚኒስተራት ኣፍሪቃ፡ ናይ ኮንጎ፡ ግብጺ፡ ጋቦን፡ ጋና፡ ኬንያ፡ ማውሪታንያ፡ ናይጀርያ፡ ደቡብ ኣፍሪቃ፡ ዛምብያን ሴነጋልን እዮም።
ኣብ ምብራቕ ኣፍሪቃ ብሰንኪ ጥምየት: ሓደጋ ሞት ሓደ ሰብ፡ ኣብ 48 ክልኢት
Thursday, 19 May 2022 09:19 Written by ቤት ጽሕፈት ዜና ሰዲህኤኣብ ምብራቕ ኣፍሪቃ ኣብ ነብሲ ወከፍ 48 ክልኢት ሓደ ሰብ ብጥምየት ናይ ምማት ሓደጋ የንጸላሉ ከምዘሎ ኦክስፋምን ህጻናት ኣድሕንን/ OXFAM and save the children ብ18 ጉንበት 2022 ኣብ ዘውጽአኦ ናይ ሓባር ጋዜጣዊ መግለጺ ሓቢረን።
እዘን ግብረ-ሰናይ ትካላት ኣብቲ ጋዜጣዊ መግለጺ ከም ዝሓበረኦ እዚ ናይ ሞት ሓድጋ ኣንጸላልይወን ዘሎ ሃገራት ምብራቕ ኣፍሪቃ፡ ኢትዮጵያ፡ ኬንያን ሶማሊያን እየን። እዘን ትካላት ነዚ መጽናዕቲ ጃሚል ኦብዘርቫቶሪ ምስ ዝበሃል ኣካል ከም ዘካየደኦ ኣብቲ ጋዜጣዊ መግለጺአ ጠቒሰን።
በቲ ናይ ሓባር ጋዜጣዊ መግለጺ መሰረት፡ ኣብ ኢትዮጵያን ሶማሊያን ኣስታት ፍርቂ ሚልዮን ኣዝዩ ሓደገኛ ኣብ ዝበሃል ደረጃ ዓጸቦ ከም ዘለዉን፡ ኣብ ኬንያ ድማ ጣቕላላ 3.5 ሚልዮን ሰባት ኣብ ጥምየት ወዲቖም ከም ዝርከቡን ተሓቢሩ።
ኣብዘን ዝተጠቕሳ ሰለስተ ሃገራት ኣብ ዝሓለፈ ዓመት 10 ሚልዮን ዝነበረ ጠቕላላ ቁጽሪ ብጥምየት ናይ ዝተጠቕዑ ሰባት ፡ ኣብዚ እዋንዚ ካብ ዕጽፊ ንላዕሊ ወሲኹ ክሳብ 23 ሚልዮን በጺሑ ኣሎ። እዘን ግብረ-ሰናይ ትካላት ነዚ ዝረአ ዘሎ ሓደጋ ጥምየት ከምቲ ኣብ ሶማሊያ ብ2011፡ ዝያዳ ፍርቂ ትሕቲ 5 ዓመት ዝዕድሚኦም ዝርከብዎም ልዕሊ 260 ሺሕ ሰባት ዝሞቱሉ ሓደጋ ከየኸትል ዘለወን ስግኣት ገሊጸን ኣለዋ።
እቲ መግለጺ ጠንቂ ናይዚ ጥሜት፡ ምልውዋጥ ኩነታት ኣየር፡ ወግኣትን፡ ከም ጉጅለ7 ዝኣመሰላ ለገስቲ ኣካላት ዝያዳ ናብ ለበዳ ኮረና ቫይረስን ኩነታት ሩሲያን ዩክረይንን ምዝንባለንን ምዃኑ ኣስፊሩ። ብዘይካዚ ነተን ኣብተን ሃገራት ዘለዋ ዘቤታዊ ናይ ረዲአት ትካላት እጃመን ከበርክታ ግቡእ ቆላሕታ ዘይምሃብ እውን ኣብቲ መግለጺ ከም ጠንቂ ተጠቒሱ። እቲ መግለጺ ኣተሓሒዙ ዋላኳ ለገስቲ ሃገራት ነዚ ሓደጋ ጥሜት ንምክልኻል ኣብዚ ቀረባ ግዜ፡ ኣስታት 1.4 ቢልዮን ዶላር ክልግሳ ቃል ኣትየን እንተነበራ ክሳብ ሕጂ ተረኺቡ ዘሎ 778 ሚልዮን ዶላር ጥራይ ምዃኑ ከም ዘሻቕል ሓቢረን። ኣብዘን ዝተጠቕሳ ሃገራት ዘሎ ሓደጋ ጥሜት ብዝግባእ ንምምካት 4.4 ቢልዮን ዶላር ከምዘድሊ እቲ መግለጺ ጠቒሱ።
መግለጺ ኦክስፋምን ህጻናት ኣድሕንን መራሕቲ ናይዘን ሃገራት ጸገም ከም ዘጋጠመ ቀልጢፎም ተኣሚኖም ሓገዝ ብዘይምሕታትን ክሕተቱ እንከለዉ ቅልጡፍ መልሲ ብዘይምሃቦምን ወቒስዎም። ብዘይካዚ ዜጋታቶም ኣብ ሕርሻን ማሕበራዊ ውሕስናን ኣተኲሮም ዝሰርሕሉ ዕድል ክፈጥሩ ዘይምኽኣሎም ኣብቲ መግለጺ መራሕቲ እተን ሃገራት ዝተወቕስሉ ካልእ ዛዕባ እዩ።
ዶ/ር ማማዱ ዲያን ወኪል ላዕለዋይ ኮሚሽን ጉዳይ ስደተኛታት ኣብ ኢትዮጵያ
ብሰንኪቲ ብ2020 ኣብ ሰሜን ኢትዮጵያ ዘጋጠመ ውግእ ናብ ከተማታት ኢትዮጵያ ናይ ዝኣትዉ ቁጽሪ ስደተኛታት ኣዝዩ ከም ዝወሰኸ ላዕለዋይ ኮሚሽን ጉዳይ ስደተኛታት ሕቡራት ሃገራት ሓቢሩ። ናይቲ ኮሚሽን ወኪል ኣብ ኢርትዮጵያ ዶ/ር ማማዱ ዲያን “ኣልዓይን” ንዝተባህለት መርበብ ሓበሬታ ኣብ ዝሃብዎ መግለጺ፡ ኣብ ኣዲስ ኣበባ 30 ሺሕ ዝነበረ ቁጽሪ ስደተኛታት ድሕሪቲ ውግእ ናብ 80 ሺሕ ከም ዝደየበ ገሊጾም። ካብዚኣቶም እቶም ዝበዝሑ ኤርትራውያን ምዃኖም ከኣ ጠቒሶም። ናይዚ ጠንቂ እቶም ኣብ ትግራይ ዝነበሩ ኤርትራውያን ንነዊሕ ግዜ ተዓቚበምሎም ዝነበሩ መደበር ስደተኛታት ኣብ ሓደጋ ምውዳቖም ምዃኑ እውን ኣብሪሆም።
እቶም ወኪል ላዕለዋይ ኮሚሽን ጉዳይ ስደተኛታት ኣብ ኢትዮጵያ ከም ዝገለጽዎ፡ መደበራት ሽመልባን ሕንጻጽን ምስ ዓነዋ ብዙሓት ኤርትራውያን ስደተኛታት ናብ መደበራት ማይ ዓይንን ዓዲ ሓርሽን ከም ዝኣተዉን ሕያሎ ከኣ በብመንገዶም ናብ ዝተፈላለያ ከተማታት ኢትዮጵያ ከም ዝኸዱ ጠቒሶም። ኣብ ትግራይ ዝነበራ መደበራት ጥራይ ዘይኮነ፡ ኣብ ክልል ቤንሻንጉል ዝነበረ መደበር ስደተኛታት ምዕጻዉ እውን ብዙሓት ስደተኛታት ናብ ኣዲስ ኣበባ ንክኣትዉ ምኽንያት ከም ዝኾነ ብተወሳኺ ሓቢሮም።
እቶም ወኪል ኣብቲ ምስ መርበብ ኣልዓይን ዝገበርዎ ርክብ፡ ላዕለዋይ ኮሚሽን ጉዳይ ስደተኛታት ኣብ ኣዲስ ኣበባ ነቶም ስደተኛታት ናይ ገንዘብ ሓገዝ ከም ዝገብር እንተኾነ ብመንጽርቲ ዘሎ ክብሪ ዕዳጋ እቲ ዝወሃብ ሓገዝ እኹል ከምዘይኮነን ጠቒሶም። ኣተሓሒዞም ድማ እቶም ኣብ ጸገመ ዝወደቑ ስደተኛታት ኣብ ትግራይን ዓፋርን ዝነበሩ ምዃኖም ብምጥቃስ፡ ኮሚሽኖም ምስ ኣካላት መንግስቲ ብምትሕብባር ናይ ኩሎም ስደተኛታት ጸገም ንምፍታሕ ይሰርሕ ምህላዉ ኣረዲኦም። ኣብ ዓፋር እቶም ካብ መደበር በርሓለ ዝተመዛበሉ ኤርትራውያን ስደተኛታት፡ ኣብዚ እዋንዚ ኣብ ኣፍዴራ፡ ኣብዓላን ሰርዶን ተዓቚቦም ኣለዉ ኢሎም።
እቶም ዶክተር ኣብዚ እዋንዚ ካብ መደበራት ማይ ዓይንን ዓዲ ሓርሽን ኣብ ክልል ኣምሓራ ናብ ዝተኸፈተ ሓድሽ መደበር ኣለምዋጭ ዝሰገሩ ኤርትራውያን ስደተኛታት 11 ሺሕ ከም ዝበጽሑ ጠቒሶም፡ ናይ ክልል ኣምሓራ ሓለፍቲ ምትሕግጋዝ ኣብቲ መስርሕ ምስግጋር ኣመስጊኖም። ኣብዚ ሓድሽ መደበር ዘለዉ ኤርትራውያን ስደተኛታት ብወገኖም ዝተፈላለዩ ጸገማት የጋጥሞም ከም ዘሎ ከቃልዑ ከም ዝጸንሑ ዝፍለጥ እዩ። ብኻልእ ወገን ድማ እቶም ጌና ኣብ ትግራይ ተሪፎም ዘለዉ ስደተኛታት ኩሉቲ ኣብ ልዕሊ ናይቲ ከባቢ ህዝቢ ወሪዱ ዘሎ ጸገማት የጋጥሞም ኣሎ ኢሎም።
ሎሚ ዓመት ምስቲ ዘይቅሱን ጸጥታዊ ሃለዋት ሱዳን ብፍላይ ደማ ኣውራጃ ከሰላ ፍሉይ ሽግራት ሰለዝነበሮ᎓ ኩነታት ናይቲ ዓዲ ብዘፍቅዶ መሰረት ማለት ሓንሳእ ዕጸዉ ሓንሳእ ክፈቱ እንዳተባህለ ቡዙሕ ትምህርታዊ ምስንኻል ኣጋጢሙ እዩ᎓ ይኹንምበር ደቅና ግድነት ክመሃሩ ኣለዎም ካብ ዝብል ሕልና ተላዒሎም ምማህራንና ዝለዓለ ጻዕሪ ብምግባር ኩሉቲ ዝጋጠሞም ናይ መነባብሮ ኮነ ካለእ ሽግራት ብሓቦን ትዕግስትን ሰጊሮም ናብ መወዳእታ ዓመተ ትምህርቲ 2021-2022 ክንበጽሕ ክኢልናስ᎓ ዕለት 8 ጉንበት ቤት ትምህርቲ ዓጺና። ሎሚ ዓመት ኣብ ደምዳሚ መርመራ ዝተሳተፉ ብዝሒ ተማሃሮ ካብ ክልቲኡ ጾታ ቁጽሮም 604 እዮም። ብዝተፈላለየ ምኽንያታት ቡዙሓት ካብ ተማሃሮ ኣብ ናይ መወዳእታ መርመራ ክሳተፉ ኣይከኣሉን።
ካብ ነዊሕ ግዜ ንሓልሞን ንጽዕረሉን ዝነበርና ጉዳይ መብራህትን ማይን ምእታው ናብ ቤት ትምህርትና ሎሚ ዓመት ተዓዊትናሉ ኣለና ኩለን ክፍልታት ናይ ቤት ትምህርቲ ቨንቲላቶረ∕ መንበድበዲት (fan) ማለት ስለዘለወን ተማሃሮና ኮነ ምማህራን ካብ ሃሩር ድሒኖም ኩምኡ'ውን ሽግር ናይ ማይ ብምፍትሑ ኣብ ቤት ትምህርትና ዓቢ ሓጎስ ሰፊኑ ይርከብ።
ነቲ ኩሉ ኣብ ጉዕዞ ዘጋጥመና ጸገማትን ሽግራትን ኣብ ምስጋር ዓቢ ግደ ዝነበሮ ደማ ምምሕዳር ቀይሕ መስቀልን ወርሕን ኤርትራ እዩ ኩምኡ'ውን ማሕበራዊ ጉዳት ቤት ጽሕፈት ሰዲህኤ እዮም። ቀጻሊ ምክተታል ብምግባርን ምምርሒታትን ውሳኔታትን ብምምሕልላፍ ኩሉ ጸገማትን ሽግራትን በብእዋኑ ክእለዩን ክውገኑን ተኻኢሎም እዮም።
ብዙሓት ሸነኻት ማለት ማሕበራትን ዉልቀ ስባትን በብእዋኑ ኣብ ዝተፈላለየ መድረኻት ነዛ ቤት ትምህርቲ ሓጊዞም እዮም ፡ብፍላይ ደማ ለዕሊ ኩሉ እታ መዋሊት ቤት ትምህርቲ ዝኾነት ማሕበር ”Association Suisse Enfance-Erythrée (ASEE)” ኣብ ቀጻልነት ናይዚኣ ቤት ትምህርቲ ኣገዳስን ወሳንን ተራ ዘለዋ ማሕበር እያ። ካብ ነዊሕ ዓመታት ጀሚሮም ደቂ ኤርትራውያን ስደተኛታት ክመሃሩ ኣለዎም ካብ ዝብል ቅዱስ ሕልና ተደሪኾም ሓላፍነት ናይ ዶሞዝ ምማህራንን ዮኒፎርም ተማሃሮን ዝሽፍን ገንዘባዊ ሓገዝ የበርክቱ ኣለው።
ተመሃሮ ቤት ትምህርቲ ወድ ሸሪፈይ ኣብ እዋን መርመራ
ማሕበር ደቀ ኣንስትዮ ኤርትራውያን እውን ብቀጻሊ፣ መደብ ምዕዳል ሞዴስ ንደቂ ኣንስትዮ ትማሃሮ ቤት ትምህርቲ ኤትራውያን ስደተኛታት ኣብ ወደ ሸሪፋይ ይሕግዛ እየን።
ማሕበር ጎሎባል ይኣክል ብግደኦም ኣብ ግዜ ለበዳ ኮቪድ19፣ ናይ ኣርባዕተ ወርሒ ዶሞዝ መማህራን ዝሽፍን ሓገዝ ወፍዮም እዮም ።
ሓው ኣቤል ገብረየሱስ ንቤት ትምህርትና ሓንቲ ማሽን ፎቶኮፒን 20 ባኬት ወረቐትን ኮዕሶታት ናይ እግርን ስኪዐትን ኣወፍዩ እዩ።
ሓው እስቲፋኖስ በራኺ ካብ ስያትል ሰሜን ኣመሪካ ብሎተርያ ሰዲህኤ ዞባ ሰሜን ኣመሪካ ዝበጻሓቶ ላፕቶፕ፣ ካብ ተመሃሮ ቢት ትምህርቲ ወድ ሸሪፎይ ብልጫ ዝወሰደ⁄ት ተማሃሪ∕ት ሽልማት ክትከውን ኣወፍዩ ጥራይ ዘይኮነስ ነታ ዕውት∕ቲ ኮይና ዝተረኽበ∕ት ተመሃሪ∕ትውን ክሳብ ትምህርታ ትውድእ ክሕግዛ ተመባጺዑን ድሮውን ምስታ ስድራ ዕውት∕ቲ ተመሃሪ∕ት ተላልዩ ኣሎ። ክምዚ ዓይነት ህያባት ንተማሃሮ ዝለዓለ ንጥቢ ንምምጽእ ክወዳደሩን ክጽዕሩን ዘተባብዕ ስለዝኾነ ኣገዳሲ እዩ።
ኣብ ሰሜን ኣመሮካ ዝመደበሩ ናይ ኦርትዶክስ ቤተ ክሪስትያን ብናይ ግብረ ሰናይ ጨንፈሩ ”Orthodox Charity Eritrea (OCE) Project My Brother’s Keeper (MBK”) ንቤት ትምህርቲ ወድ ሸሪፋይ ንምጽጋን ናይ ዓሰርተ ሽሕ ዶላር ሓገዝ ኣበርኪቱስ᎓ እቲ ሓደ ርብዒ ናይቲ ጠቕላል ድምር ዝኾነ ቀዳማይ ክፋል ሓገዝ ኣብ ናይ ባንክ ሕሳብ ምምሕዳር ቤት ትምህርቲ ከም ዝኣተወ እንዳራጋገጽና በቲ ሰናይ ተግባሮም ኣዚና ሕጉሳት ከም ዝኾንና ንምስክርን ነመስግንን። ጽገና ቤት ትምህርቲ ዛጊት ኣብ ምጅማር ከም ዝርከብ ከነበስር ንፈቱ።
ገለ ካብቲ ክጽገን ዘለዎ ክፍልታትን ዓይኒ ምድርን ቤት ትምህርቲ ወድ ሸሪፈይ
እውን ብገደኦም ንሙሉእ ቤት ትምህርትና ጸገና ክገብሩ ተመባጸኦም ኣለው ቀደማይ ክፋል ዝኽውን ገንዘብ ሰዲዶም ደሮ ኣብ ኢድና ኣትዩ ኣሎ ፡
ሕክምና ቅይሕ ወርሒ ሱዳን ኣብ መደበር ስደተኛታት ወደ ሸሪፋይ ንተማሃሮን መማህራንን ሕክምናዊ ኣገልግሎት ብቀጻሊ ብናጻ ይህቡ ኣለው።
ምምሕዳር ዘይመንግስታዊ ቤት ትምህርታት ሚንስትሪ ኣገዳሲ ሓገዛትን ምትሕብባርን ይገብሩልና እዮም።
መንእሰያት ናይቲ ዞናን ተማሃሮን እውን ንምምሕዳር ቤት ትምህርቲ ኣገዳሲ ሓገዛትን ምትሕብባርን ይገብሩ እዮም፡
እዞም ኩሎም ኣብ ምዕዋት መደባት ቤት ትምህርትና ዓቢ ግደ ስለ ዝነበሮምን ብሽም ተመሃሮን መማህራንን ወለድን ምምሕዳር ቤት ትምህርትን ልዑል ምስጋና ከነቕርብ ነፈቱ።
እድሪስ እስማዒል
ኣመሓዳሪ ቤት ትምህርቲ
15 \ 5 \ 2022
(ካብ 2012 ክሳብ 2017 ሶማሊያ ዝመርሑን ኣብ ናይ 15 ጉንበት 2022 ምርጫ ዝተዓወቱን ሓሰን ሼኽ ማሕሙድ)
.ናይ ቅድም ፕረሲደንት ሶማሊያ ሓሰን ሼኽ ማሕሙድ ኣብቲ ኣባላት ፓርላማን ሰነይትን ጥራይ ዘድመጽሉ፡ ብ15 ጉንበት 2022 ኣብ ከተማ መቃድሾ ዝተኻየደ ናይ መወዳእታ ዙር ምርጫ ከም ዝሰዓሩ ሮይተርስን ካለኦት ማዕከናት ዜናን ሓቢረን። ሓሰን ሼኽ ማሕሙድ ነቶም ካብ 2017 ጀሚሮም ሶማሊያ ክመርሑ ንዝጸንሑ መሓመድ ዓብደላሂ ፎርማጃ ብምስዓር እዮም ተዓዊቶም።
ኣብዚ ናይ ሶማሊያ ፕረሲደንታዊ ምርጫ ናይ ምምራጽ መሰል ዝነበሮም ከካብ ዓሌቶም ዝተወከሉ 328 ምዃኖም እቲ ዜና ተጠቒሱ። እቲ ምርጫ ኣብ ውሱናት ኣባላት ፓርላማን ሰነይትን ጥራይ ከም ዝክድረት ዝተገብረ ብሰንኪ ጽጥታዊ ጉዳይ ኮይኑ፡ ኣቐዲሞም ዝተሰማምዕሉ ምንባሩ ይዝከር። ኣብቶም ናብ ናይ መወዳእታ ዙርያ ምድማጽ ሓሊፎም ዝነበሩ 4 ሕጹያት ኣብ ዝተገብረ ናይ መወዳእታ ውድድር ሓሰን ሼኽ ማሕሙድ 214 ድምጺ ረኺቦም ክዕወቱ እንከለዉ፡ ዓብዱላሂ ፈርማጆ ከኣ 110 ድምጺ ብምርካብ እዮም ተሳዒሮም። እቲ መስርሕ ምርጫ ናይ ሶማሊያ ኩነታት ጸጥታን ዲሞክራሲያዊ ተሓታትነትን ዘመልክት ምዃኑ እቲ ዜናዊ ጸብጻብ ሓቢሩ።
እዚ ክሳብ 3ይ ዙርያ ዝበጸሓ፡ ናይ ቅድም መራሒ ሶማሊያ ናብ ቦታኦም ዝመለሰን ብዝለዓለ ናህሪ ዝተኻየደን መርጫ ካብቲ ክካየደሉ ዝግበኦ ዝነበረ ግዜ 15 ኣዋርሕ ደነጉዩ ዝተተግበረ እዩ።
እቶም ሓድሽ ፕረሲደንት ሶማልያ ናይ ምዕዋቶም ውጽኢት ምስ ተነግረ፡ ሽዑንሽዑ መጻኢ 4 ዓመታት ንክመርሑ ቃለ-መሓላ ከም ዝፈጸሙን ደገፍቶም ኣብ ከተማ መቃድሾ ብተኹሲ ብዝተሰነየ ሓጐሶም ከም ዝገለጹን ተፈሊጡ። እዚ ምርጫ ዝተኻየደሉ ቦታ ኣብ ጥቓ መዓርፎ ነፈርቲ መቃድሾ ኣብ ዝርከብ ብሰራዊት ዓቃብ ሰላም ጽኑዕ ሓለዋ ዝግበረሉ ሰፊሕ ኣዳራሽ እዩ። ዘኸተሎ ጉድኣትኳ እንተዘየለ ምርጫ እንዳተኻየደ፡ ኣብ ከባቢቲ ድምጺ ዝተዋህበሉ ተኹሲ ኣጋጢሙ ከም ዝነበረ ተሓቢሩ።
ብዙሓት ተዓዘብቲ ከም ዝሰማምዕሉ እዞም ሓድሽ ፕረሲደንት ሶማሊያ ኣብ ቅድሚኦም ክልተ ዓበይቲ ብደሆታት ይጽበዮም። እቲ ሓደ ብጸብጻብ ሕቡራት ሃገራት 3.5 ሚልዮን ህዝቢ ኣብ ሓደጋ ጥሜት ወዲቕሉ ዘሎ ደርቂ እዩ። እቲ ካለኣይ ከኣ ኣብ ትሕቲ ምቁጽጻር ጉጅለ ኣልሸባብ ዘሎ ከባብታት ናጻ ምውጻእ።
እዞም ኣብዚ ምርጫ ተሳዒሮም ዘለዉ ፕረሲደንት ነበር መሓመድ ፈርማጆ፡ ኣብቲ መራሕቲ ኤርትራ፡ ኢትዮጵያን ሶማሊያን ካብ 2018 ጀሚሮም ፈጢረምዎ ዝነበሩ እሞ ዝፈሸለ፡ ኣብ ዞባና ተጽዕኖ ናይ ምፍጣር ጉለ ተዋሳኢ ዝነበሩ እዮም። ካብዚ ዝነቐለ መንእሰያት ሶማሊያ ወተሃደራዊ ታዕሊም ክወስዱ ናብ ኤርትራ ልኢኾም ከም ዝነበሩን ኣብ ውግእ ትግራይ ድማ ንኢሳያስ ኣፈወርን ኣብይ ኣሕመድን ንምሕጓስ ክሳብ 5 ሺሕ ወታደራት ከም ዘሰለፉ ይንገረሎም። ብሰንክዚ ተግባሮም ሓያል ህዝባዊ ተቓውሞ ከም ዘጋጠሞም ድማ ይዝከር።
እዛ ካብ 1969 ንደሓር ህዝባ ቀጥታዊ መርጫ ዘየካየደላ ሶማሊያ፡ ኣስታት 18 ሺሕ ብሕቡራት ሃገራት ዝሕገዝ፡ ናይ ሕብረት ኣፍሪቃ ዓቃብ ሰላም ሰራዊት ሰፊሩላ ዘላ ሃገር እያ።
ወጻኢ ጉዳይ ሚኒስተራት ኣባል ሃገራት ጉጅለ-G7፡ ብ14 ጉንበት 2022 ኣብ ዘካየድዎ ኣኼባ ዝወጸ መግለጺ፡ ኤርትራ ሓይልታታ ካብ ሰሜን ኢትዮጵያ/ትግራይ ከተውጽእ ጸዊዖም። እቲ ካናዳ፡ ፈረንሳ፡ ጀርመን፡ ኢጣልያ፡ ጃፓን፡ ብሪታንያን ሕቡራት መንግስታት ኣሜሪካን ዝኣባላቱ ጉጅለ-G7 ብወጻኢ ጉዳይ ሚኒስተራቱ ኣቢሉ ኣብ ዘውጸኦ መግለጺ ኣብ 46 ጉዳያት ዘተኮረ ምንባሩ ኣብቲ መግለጺ ተመልኪቱ። እዚ ተወከልቲ ሕብረት ኤውሮጳ እውን ዝተሳትፍዎ ኣኼባ ብፍላይ ንኢትዮጵያ ኣብ ዝምልከት ብዙሓት ጉዳያት ጠቒሱ።
እቲ መግለጺ፡ ኣብቲ ንኢትዮጵያ ብዝምልከት ዝጠቐሶ፡ ኣብዚ ቀረባ ግዜ ንዘይተወሰነ ግዜ ዝጸንሕ ኣብ ኩሉቲ ጐንጽታት ዝተራእየሉ ከባብታት ሰብኣዊ ሓገዝ ብዘይገደብ ምቕራብ ምእንቲ ክካኣል ንዝተገብረ ወግእ ጠጠው ምባል ደገፉ ገሊጹ። ኣተሓሒዙ ከኣ ኩሎም ወገናት ቀልጢፎም ናብ ውግእ ጠጠው ምባል ዘብጽሕ ዘተ ንክኣትዉ ጸዊዑ። (ኣብዚ እዋንዚ እቲ ምእንቲ ሓገዝ ምቕራብ ክከኣል ጠጠው ክብል ተባሂሉ ዝነበረ ወግእ መሊሱ ከይባራዕ ዘስግኡ ምልክታት ይረኣዩ ኣለዉ።)
እቲ መግለጺ ኣተሓሒዙ፡ ጾታ መሰረት ዝገበረ ዓመጽ፡ ግህሰትን ዘይተሓታትነትን ካብቲ ክረአ ዝጸንሐ ጸገማት ምዃኑ ኣስፊሩ። ኣተሓሒዙ ከኣ መንግስቲ ኢትዮጵያ፡ ጥሕሰታት ንምጽራይ ኣብ ዝግበር መርመራታት ንክተሓባበር ዝቐረበሉ ለበዋ ምቕባሉን፡ ነዚ ዝዓምምን ምስ ዓለም ለኻዊ ትካል ሰብኣዊ መሰላት ዝተሓባበርን ናይ ሚኒስተራት ሓይሊ ዕማም ምምስራቱን ደጊፉ። እዚ መስርሕ ናብ ፍትሕን ዕርቅን ከብጽሕ ዘለዎ ተስፋ ከኣ ኣስፊሩ። እቲ መግለጺ ኣተሓሒዙ፡ ኣብ ኢትዮጵያ መሰረታዊ ፖለቲካዊ መፍትሒ ንክመጽእ ክማላእ ኣለዎ ኣብ ዝበሎ፡ ኤርትራ ሓይልታታ ካብ ሰሜን ኢትዮጵያ ከተውጽእ ጸዊዑ። ካብዚ ሓሊፉ ደርቂ እውን ንኢትዮጵያ ካልእ ፈተና ኮይንዋ ከም ዘሎ ኣመልኪቱ።
እዚ ብዛዕባ ወራር ሩሲያ ናብ ዩከረይንን ኣኸቲልዎ ዘሎ ሳዕቤንን ብሰፊሑ ዝዘርዘረ መግለጺ ውጻኢ ጉዳይ ሚኒስተራት ጉጅለ-G7፡ ንሱዳን ኣብ ዝምልከት እውን ጠቒሱ። ኣብቲ ንሱዳን ብዝምልከት ዝገለጾ፡ ኣብታ ሃገር ንቡር ሰላም ንምስፋን ብሕቡራት ሃገራት፡ ሕብረት ኣፍሪቃን ኢጋድን ዝግበር ዘሎ ምትሕብባር ንኢዱ። ንሱዳን ብቑጠባን ካልእ መዳያትን ምሕጋዝ ንክከኣል ዘተኣማምን ሲቪላዊ መንግስቲ ምትካል ከም ዘድሊ ገሊጹ። ኩሉ ኣብታ ሃገር ዝረአ ዘሎ ዓመጻት ጠጠው ክብል፡ ብዘይቅቡል ምኽንያት ተኣሲሮም ዘለዉ ክፍትሑን ድሕሪ ሕጂ ጃምላዊ ማእሰርቲ ጠጠው ክብልን ድማ ጸዊዑ። ኣብ ሱዳን ተወሲኑ ዘሎ ናይ ህጹጽ ግዜ ኣዋጅ ክለዓል ከኣ ኣትሪሩ ጸዊዑ። ኣብ መወዳእታ ከኣ እቲ ሲቪላዊ ኣካል ሱዳን ብወገኑ ኣብቲ ዝግበር ዘተ ንኹሎም ወገናት ዘቀራርብ ናይ ሓባር ፍታሕ ንምርካብ ክጽዕር ጸዊዑ።
(ብሰንክቲ በብግዜኡ ኣብ መንጎ ዓሌታት ኑባን በኒዓምርን ዝፍጠር ጐንጺ 80 ዝኾኑ ሰባት ከም ዝሞቱ ይንገር።)
ሱዳን እታ ምስ ኤርትራን ኢትዮጵያን ብቐረባ እተዋሰን ምብራቓዊት ከተማ ከሰላ ብ11 ጉንበት 2022 ሰዓት እቶእቶ ከም ዝኣወጀት “ኣልዓይን /ALAIN” ዝተባሀለት መርበብ ሓቢራ። ሱዳን ነዚ ኣዋጅ ከተውጽእ ዘገደዳ ኣብታ ከተማ ኣብ መንጎ ኑባን በኒዓምርን ዘጋጠመ ሓደገኛ ዓሌታዊ ጐንጺ ምዃኑ እቲ ዜና ሓቢሩ።
ሓለፍቲ ከተማ ከሰላ ካልእ መተካእታ ውሳነ ክሳብ ዝመጽእ እቲ ኣዋጅ ሰዓት እቶእቶ ከም ዝቕጽል ምግላጾም ዝተፈልጠ ኮይኑ፡ እቲ ዓሌታዊ ጐንጺ ምስተፈጠረ ሓይልታት ጸጥታ መንግስቲ ሱዳን ኣትዮም ከም ዘህድእዎን ሓደ ሰብ ጥራይ ከም ዝሞተን ተፈሊጡ።
ቅድሚ ሕጂ ኣካል ዞባ ምብራቕ ሱዳን ኣብ ዝኾኑ ከባብታት ከሰላ፡ ፖርትሱዳንን ገዳርፍን ብዘጋጠሙ ተመሳሰልቲ ዓሌታዊ ጐንጽታት ካብ ክልቲኦም ወገናት 80 ሰባት ከም ዝሞቱ ኣብቲ ዜና ተሓቢሩ። እቲ ዜና ኣተሓሒዙ ከም ዝሕብሮ፡ ኣብ ደቡብ ሱዳን ዝተበጽሐ ስምምዕ ንግዜኡኳ ነቲ ዓሌታዊ ጉንጽታት ኣህዲእዎ እንተነበረ፡ ደሓር ግና ናብቲ ዝነበሮ እዩ ተመሊሱ። ኣብ ሱዳን ኣብዚ ቀረባ ግዜ ኣብ ምዕራብ ዳርፎር ብዝተላዕለ ተመሳሳሊ ጐንጺ ኣስታት 200 ሰባት ከም ዝሞቱ እቲ ዜና ኣዘኻኺሩ። እቲ ብጀነራል ኣልቡርሃን ዝምራሕ ወታደራዊ መንግስቲ ሱዳን ኣብዚ እዋንዚ ናብ ኩሉ ከባብታት እታ ሃገር ሰራዊት ኣዋፊሩ ኣሎ።
እዚ ጐንጺ ተላዒልሉ ዘሎ ከባቢ ሱዳን፡ ብወገን ተሰነይ ምስ ኤርትራ፡ ብወገን ሑመራ ድማ ምስ ኢትዮጵያ ዝዋሰን ኮይኑ፡ ብፍላይ ምስ ምዕራብ ኤርትራ ናይ ቀረባ ኩለ-መዳያዊ ምጽልላው ዘለዎ እዩ።
( ካብ መርበብ ኢንተርኔት ዝተረኽበ ምስሊ)
እቲ ኣብ ትሕቲ ምሉእ ምቁጽጻር ህግደፍ ዝመሓደር ዘሎ መንበረ-ፓትርያርክ ኦርቶዶክሳዊት ቤት ክርስትያን ኤርትራ፡ 5ተ መነኮሳት ገዳም ኣቡነ ዮናስ ኣሕሊፉ ብምሃብ ከም ዘእሰረ ኤሪሳት/ERISAT ሓቢራ።
እቶም ዝተኣስሩ መንኮሳት መምህር ዕንቈብርሃን ተወልደ፡ ኣባ የማነ ብርሃን፡ ኣባ ተኽለ ብርሃን፡ ኣባ ኣብርሃምን ኣባ ሃብተ ዮናስን ከም ዝበሃሉ እቲ ዜና ብተወሳኺ ኣፍሊጡ። እዞም መንኮሳት ዝተኣስርሉ ምኽንያት፡ ነቲ ኣብ ኣተሓሕዛ ጉዳይ ነፍሰ-ሄር ኣቡነ ኣንጠንዮስን ኣብ ኣሰያይማ 5ይ ፓትርያርክ ኤርትራን ዝተራእየ ጌጋ መሰረት ብምግባር፡ ምስቲ መንበረ ፓትርያርክ ከም ዘይተሓባበሩ ስለ ዝገለጹ እዮም።
ኩነኔ ኣንጻርቲ ብምምሕዳር ህግደፍ ዝዝወር መንበረ ፓትርያርክ ኦርተዶክሳዊት ቤተክርስትያን፡ ኣብ ገዳማት ደብረ ጽጌ፡ ዓዲ ውስኽ፡ ደበረ ሳህልን ሙራደ-ቃልን እውን ይቕጽል ከም ዘሎ እቲ ዜና ሓቢሩ። እቶም ምንጭታት ኤሪሳት፡ ብፍላይ ኣቦታትን መንኮሳትን ገዳማት ኣቡነ ዮናስ፡ ምስቲ መንበረ ፓትርያርክ ብቐጻሊ ክሰሓሓቡ ከምዝጸንሑን ኣቐድም ኣቢሎም ድማ፡ ኣባ ከሰተ ብርሃን ዝተበሃሉ ፈላሲ ካብዚ ገዳም ተኣሲሮም ምንባሮም ሓቢሮም። ብተመሳሳሊ ምኽንያት 6ተ መነኮሳት ገዳም ደብረ ቢዘን ተኣሲሮም ከም ዘለዉ እውን ተፈሊጡ።
እዚ ከምዚሉ እንከሎ፡ ብዙሓት ገዳማትን፡ ሃገረ ስብከታትን ኤርትራ ንኣካይዳ መንበረ ፓትርያርክ ኤርትራ ብተደጋጋሚ ይዂንንኦን የዉግዝኦን ምህላወን ይንገር።
መንበረ ጵጵስና ኤርትራውያን ኣህጉረ ስብከታት፡ ሰሜን ኣመሪካ፡ ኤውሮጳን ማእከላይ ምብራቕን ኣብ’ቲ እዋን ኣብ ዘውጽኦ መግለጺ፡ እቲ ብ13 ሰነ 2021 ዝተኻየደ ምቕባእ 5ይ ፓትርያርክ ኦርቶዶክሳዊት ቤተክርስትያን ኤርትራ፡ ናይ ዓመጽን ጥልመትን ተግባር ምንባሩ ምጥቃሱ ዝዝከር እዩ። ምስዚ ብዝተተሓሓዘ፡ ኩሎም እቶም ድሕሪ ማእሰርቲ ናይቶም ኣብዚ ቀረባ ግዜ ዝዓረፉ ኣቡነ ኣንጦንዮስ ሓላፍነት ዝተዋህቡ ፓትርያርክታት ኤርትራ ኣመጻጽኣኦም ብስርዓት ቤተክርስትያን ዘይሕጋዊ ምንባሩ ክገለጽ ዝጸንሐ እዩ።
ካብ ነዊሕ ግዜ ጀሚሩ ናይ ህግደፍ ጸረ ህዝብነት ካብ ዝግለጸሎም ተግባራት ኣብ ጉዳይ ሃይማኖት ዘካይዶ ኢድ ኣእታውነት ሓደ ምዃኑ ዝዝከር እዩ።
ሓላፊ ሰልፊ ጉባአ ሱዳን፡ ዓምር ዩስፍ፡ ኣብ ካርቱም ንመዲያ መብርሂ እናሃቡ
ሰልፊ ጉባአ ሱዳን፡ ኣብቲ ብሕቡራት ሃገራት፡ ሕብረት ኣፍሪቃን ኢጋድን ብሓባር ተመዲቡ ኣብ 2ይ ሰሙን ወርሒ ጉንበት 2022 ዝካየድ መስርሕ ዘተ ከምዘይሳተፍ ምግላጹ፡ መርበብ ሓበሬታ ሱዳን ትሪቡን/SUDAN TRIBUNE፡ ብ7 ጉንበት 2022 ብዝዘርግሓቶ ዜና ሓቢራ።
እዞም ሰለስተ ኣካላት፡ ኣብ ሱዳን ንዘሎ ቅልውላው ፖለቲካዊ መፍትሒ ንምርካብ ኣብ 10-12 ጉንበት 2022 ኣኼባ ክግበር ከም ዝመደቡ እቲ ዜና ሱዳን ትሪቡን ኣፍሊጡ። ምሕዝነት ሓይልታት ናጽነትን ለውጥን ሱዳን ብወገኑ፡ እቲ ተመዲቡ ዘሎ ኣኼባ ናይ ወተሃደራዊ ሓይሊ ሱዳን ኢድ ኣእታውነት ኣብ ፖለቲካዊ ጉዳያት ዘብቅዓሉን ሲቪላዊ ምስግጋር ዝረጋገጸሉን ኩነታት ንምፍጣር ቆላሕታ ከም ዝህብ ምጥቃሱ ኣብቲ ዜና ተገሊጹ።
ወተሃደራዊ ሓይሊ ሱዳን ብወገኑ፡ እቲ መስርሕ ዘተ ኩሎም ሲቪላዊ ኣካላት ምክፍፋል ኣወጊዶም ናብ ሓደ መድረኽ ከምጸኦም እንተ ክኢሉ ስልጣን ከረክቦም ቅሩብ ምዃኑ ምጥቃሱ እቲ ዜና ሱዳን ትሪቡን ኣመልኪቱ።
ኣካል ሓልታት ናጽነትን ለውጥን ዝበሃል ምሕዝነት ዝኾነ፡ ሰልፊ ጉባአ ሱዳን ብ7 ጉንበት 2022 ኣብ ዘውጸኦ መግለጺ፡ ኣብዚ ብሰለስተ ኣካላት ተዳልዩ ክካየድ ተመዲቡ ዘሎ መቀራረቢ መስርሕ ዘተ ከምዘይሳተፍ ደጊሙ ኣረጋጊጹ።
እቲ መግለጺ ኣተሓሒዙ፡ “እዚ ንተሳትፎ ምንጻግና፡ መቐጸልታ ናይቲ ናይ ቅድሚ ሕጂ መርገጽና ኮይኑ፡ ኣካል ናይ ዝኾነ እቲ ናይ ቅድም ዕልዋን ሳዕቤኑን ኣወጊዱ ሲቪላዊ ዲሞክራስያዊ ምስግጋር ኣብ ዘየውሕስ ፖለቲካዊ መስርሕ ኣይንሳተፍን ኢና” ዝብል ሓሳብ ኣስፊሩ። ኣተሓሒዙ ከኣ እዚ ዝዳሎ ዘሎ መበገሲ ዝተባህለ መስርሕ ዘተ ዘውሕሶ ለውጢ ከም ዘይህሉ እቲ መግለጺ ናይ ሰልፊ ጉባአ ሱዳን ኣትሪሩ ኣስፊሩ።
ሓላፊ ባይቶ ልኡላውነት ሱዳን ብወገኖም፡ ኣቦመንበርነት ናይቲ ሃገራዊ ባይቶ ነቲ ብሓይልታት ናጽነትን ለውጥን ሱዳን ዝተመዘዘ ሲቪል ኣካል ከረክብዎን ንህጹጽ ሓይልታት ሱዳን ምስቲ ስሩዕ ሃገራዊ ሰራዊት ንምጽንባርን ቅሩብ ከምዘይኮኑ ከም ዘረጋገጹ እቲ ዜና ሓቢሩ። ኣብ ርእሲዚ ወተሃደራዊ ክፍሊ ሱዳን ነቲ ተመዲቡ ዘሎ መስርሕ ዘተ ጥጡሕ ኩነታት ንምፍጣር ቅሩብ ምዃኑ ኣረጋጊጹ።