ሰለስተ ጋዜጠኛታት ተለቪዥን ትግራይ፡ ካብ ማእሰርቲ ተፈቲሖም

2023-01-18 09:32:33 Written by  ቤት ጽሕፈት ዜና ሰዲህኤ Published in EPDP News Read 697 times

ኣብ ትግራይ ቅድሚ 8 ኣዋርሕ ካብ ዝተኣስሩ 5 ጋዜጠኛታት ተለቪዥን ትግራይ፡ እቶም ሰለስተ ብውሳነ ቤት ፍርዲ ናይቲ ክልል ኣብዚ ቀረባ መዓልታት ከም ዝተፈትሑ  ተሓቢሩ። እዞም ጋዜጠኛታት ቅድሚ 8 ኣዋርሕ  ፈደራላዊ መንግስቲ ኢትዮጵያ ንከተማ መቐለ ኣብ ዝተቖጻጸረሉ፡ ምስ ጸላኢ ብምትሕብባር ናይ ጸላኢ ፕሮፖጋንዳ ዘርጊሕኩም ብዝብል ክሲ እዮም ተኣሲሮም። ቅድሚ ሓደ ሰሙን ዝተፈትሐ ኣብ ተለቪዥን ትግራይ ን16 ዓመታት ዝሰርሐ ጋዜጠኛ ምስጋናው ስዩም፡ ኣብቲ ስራሕ ብፈደራላዊ መንግስቲ ኢትዮጵያ ተሰይሙ ብዝነበረ ግዝያዊ ምምሕዳር ትግራይ ከም ዝተመደቡ ኣፍሊጡ።

እቶም ዝተፈትሑ ሰለስተ ጋዜጠኛታት፡ ተሾመ ጣምያለው፡ ምስጋናው ስዩምን ሓበን ሓለፎምን ክኾኑ እንከለዉ፡ እቶም ጌና ዘይተፈትሑን ኣብ መደበር ፖሊስ ተታሒዞም ዘለዉን፡ ክሶም ካብ ናይቶም ዝተፈትሑ ዘይፍለ  ድማ ሃይለሚካኤል ገሰሰን ዳዊት መኮነንን ምዃኖም እቲ ዜና ሓቢሩ። ናይዞም ዘይተፈትሑ ክልተ ጋዜጠኛታት ጉዳይ ብቤት ፍርዲ ን18 ለካቲት 2023 ብቖጸራ ተታሒዙ ከም ዘሎ እውን ክፍለጥ ተኻኢሉ።

.ናይ ጋዜጠኛ ሃይለሚካኤል ገሰሰ ጠበቓ፡ ኣቶ ኣብረሃ ካሕሳይ፡ እቲ ቤት ፍርዲ  መስርሕ ፍርዲ ብዘይምኽታሉን  ንክንድዚ ዝኣክል ግዜ ብዘይክሲ ምእሳሩ፡ ግጉይ ምዃኑ ብምጥቃስ፡ ናይ ኢትዮጵያ ሕጊ ፕረስ ከም ዘየኽበረን፡ ጋዜጠኛ ሓሳቡ ብምግላጹ ከምዘይእሰር ዝከላኸል  ዓለምለኻዊ ሕግን ከም ዝጠሓሰን ንማዕከናት ዜና ሓቢሮም። እቶም ጠበቓ መስርሕ እቲ ፍርዲ ስሉጥ ዘይምንባሩ እውን ነቒፎም።

ኣብ ኤርትራ ንልዕሊ 20 ዓመታት ዝተኣስሩ ጋዜጠናታት፡ ኣይኮነንዶ ክፍትሑን ብጠበቓ ተሓጊዞም ናብ ፍርዲ ክቐርቡን ዝተኣስርሉ ቦታን ሃለዋቶም እኳ ከምዘይፍለጥ ዝዝከር እዩ።

 

Last modified on Wednesday, 18 January 2023 10:50